ኣብ’ዚ ክለዓል ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ መስመር ምንፃር ዳሕራይ ዝመፀ ናይ ተሃድሶ ጉዕዞ ንምንታይ እቲ ውድብ ናይ ምብስባስን ምፍንጫልን ሓደጋ እስካብ ዝበፅሖ ዘንጊዑ? ዝብል እዩ፣ እዚ ንምምላስ እቲ ካብ ድሕሪ ደርጊ ዝነበራ ውሑዳት ዓመታት ዝነበረና ኣካይዳን ዝነበረ ሀገራዊን ዓለማዊ ኩነታትን ዳሕራይ ዝመፀ ለውጢን ምርኣይ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ::
-
ደርጊ ምስተደምሰሰ ኣብታ ሀገር ብዓይነቱ ዝተፈለየ ናይ ቓልሲ ኣግባብ ናብ ሓዱሽ መድረኽ እዩ ተኣትዩ ኣስላልፋ ሓይልታትን ኣግባብ (ስልቲን ስትራተጂን) ናይቲ ቃልሲ ምስቲ መድረኽ ከምዝሰማምዑ ኮይኖም ክቕረፁ ነይሩዎም፣
-
ካልኣይ ኢህወደግ ንመላእ ሀገርና እንትቆፃፀር ኩሎም ህዝብታት እቲ ብጣዕሚ ፀሊኦምዎ ዝነበሩ ደርጊ ስለዝተደምሰሰ ብዕልልታን ጭፈራን ዋላ’ኳ እንተተቐበልዎ እቶም ዕላማታትን መስመርን ዝተረደኦምን ዘተቐበሎምን ግን ኣይነበረን ንኽፈልጦምን ክርደኦምን ዕድል ኣይረኸበን ኔሩ፣ ስለዝኾነ ንደርጊ ስለዝፀልአ ስኽ ኢሉ ንኢህኣደግ ክፎቱ እዩ ኢልካ ተፅቢት ኣይግበርን ኣይተገበረን አውን:: ብኸመይ ከምዝቕበሎም ስራሕ የድሊ ኔሩ፣
-
ሳልሳይ ድሕረትን ድኽነትን ኣብ ዘለዋ ሀገር ክህሉ ዝኽእል ምቹውን ዘይምቹውን ኣጋጣሚታት እንታይ ከምዝኸውን ዝግመት እኳ እንተኾነ ኣብታ ሀገር ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልነት ቀፃሊ ሓደጋን እንታይ ከምዘኸውን ብፅንዓት ክምለስ ነይሩዎ፣
-
ራብዓይ እቲ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ሀገርና ምስቲ ዘመፀ ለውጢ ዘለዎ ፅልዋ ክፅናዕ ነይሩዎ፣
-
ሓምሻይ ናይ ዓለም ተሞክሮ ብፍላይ ድማ ኣብተን ከማና ድኻታት ኔረን ዝሃፍተማ ሃገራት ተሞክሮ ብዝግባእ ምፅናዕን ምስ ናይ ሃገርና ኩነታት ምጥዕዓም የድሊ ነይሩ::
-
ብዓብይኡ ድማ አብቲ እዋን ኣብ ሃገርና ጥራሕ ኣይነበረን ኣሰላልፋ ሓይሊታት ዝተቐየረ ብዓለም ደረጃ እውን እቲ ዝሑል ኲናት (Cold war) እናተብሃለ ዝፍለጥን ዓለምና ብክልተ ልዕለ ሃያላን (ምብራቕን ምዕራብን) ትመራሓሉ ዝነበረት ብናይ ምዕራብ ልዕልነት ዝተዛዘመሉን ዓለማዊ ኣሰላልፋ ዝተለወጠሉ እዋን፣ ኒዮ-ሊበራል ኣተሓሳስባ ሙሉእ ልዕልነት ዝረኸበሉን ካብ’ዚ ወፃእ ኩሉ ኮሙኒዝም እዩ ኮሙኒዝም ድማ ዝተስዓረን ዘይሰርሕን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዋላ ኣብተን ድኻታት (ንሀገርና’ውን ሓዊሱ) ዝበሃላ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ዝኣመነሉን ወቕቲ ስለዝነበረ ንኒዮ-ሊበራል ዝፃረር ሓሳብ ዋላ ንኮሙኒዝም ዘይድግፍ ፀረ-ዲሞክራሲ፣ ኮሙኒዝም እዩ ዝበሃለሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ::
እዚ ሃገራዊን ዓለማዊን ጭቡጥ ኩነታት ብዕምቆት ምፅናዕን ብዝግባእ ተንቲንካ ንመድረኻዊ ሕቶ ብቑዕን ዘተኣማምንን ነቲ ጠቕላላ መድረኽ ዝመርሕ ዝተማለአ መልሲ ምሃብ የድሊ ነይሩ ተገይሩ ድማ:: እዚ ድማ እዩ ካብ ናይ ዓለም ተሞክሮ እቲ መድረኽ እስካብ ኣርበዓ ዓመት ክወስድ ይኽእል’ዩ እቲ መልሲን ትንታነን ድማ ብፅንዓት ምትግባሩ እምበር ዝተማለአ እዩ ዝበሃል::
ኣብዚ ልቢ ኢልና ክንሪኦ ዘለና ካብ’ተን ክንዳና ወይ ካብናትና ዝብእስ ድኽነት ዝነበረን ሃገራት ብልምዓታዊ መንገዲ ተጓዒዘን ድሕሪ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ህልኽካ ዘውድእ ጉዕዞ ሃፍታማት ኮይነን ንሕና ድማ ብናይ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ዲሞክራሲ እውን ወሲኽና ብልምዓታዊን ዲሚክራሲያውን መንገዲ እንተኾነ ካብ ናተን ዝሓፀረ እንተገደደ ድማ ክንዲቲ ንሳተን ዝተጓዓዘኦ ተጓዒዘና ክንበፅሖ ይግባእ ተባሂሉ::
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ሓደን ቁልፍን ምኽንያት ካብቶም ዕላማታቱ ዝብገስ ናይቲ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ባህሪን ድሌትን እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ግዜ ዝነበረ ጭቡጥ ዓለማዊ ኩነታት እዩ:: ውድብና ካብ ብጊሓቱ እንትጅምር ኣብ ሀገርና ድኽነት ሱር ክሰድድን ህዝብታት ናይ ምብታን መማረፂ ክሕዙ ዝገብሮም ዘሎ ብቐንዱ ስእነት ዲሞክራሲ እዩ:: ስለዝኾነ ናይ ሀገርና ሽግር ዝፍታሕ ብልምዓት እኳ እንተኾነ እቲ ልምዓት ግን ቁልጡፍን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ እንተተፈፂሙ ጥራሕ እዩ ዝብል መርገፂ ተታሒዙ::
እቲ ፍጥነትና ግን ነቲ ብፍጥነት ከብርሰናን ክበታትነናን ዝጎዪ ዘሎ ድኽነት ዝቕድም ፍጥነት ክህልወና ኣለዎ እምበር እናተጎተትናን ዓመት እናቖፀርናን ክንጓዓዝ የብልናን እዩ እቲ መርገፂ:: መለስ ነዚ መርገፂ ዙይ ኣብ ምንፃርን ምትሓዝን ብዝነበሮ ተራ ድማ እዩ መለስ ብሉፅን በዓል ራዕይን መራሒ ዝገብሮ::ብስሩ’ኸ ከምዚ ዝበለ ኣርሒቑ ዘይሓስብ ውድብን መንግስቲን ከመይ ገይሮም’ዮም ዓዲ ኽመርሑ:: ወዮ ድኣ ናይ ዓቕሊ ፅበትን ዓይነ መርፍኡ ዝጠፍኦ ተቓውሞ ናይ ሀገርና ሽግር ኮይኑ እምበር በዓል ኣይተ ዳዊት እኮ ኣርሒቑ ዝእምት መራሒ ተሳኢኑ እዮም ዝብሉ ዘለዉ::
ነዚኣ ዘይቕበል እናተጎተተን ኣብ ድኽነት ክነብር ዝደለየ ስለዝኾነ መለስ ከመይ ጌሩ ን40 ዓመት ንቕድሚት ክእምት ይኽእል’ባ ታይባ ዝብል ካሊእ ምኽንያት ከምፅእ የብሉን:: ሕዚ እቲ መድረኽ ዝሓቶ ዘሎ ወይ ቀልጢፍካ ካብ ድኽነት ምውፃእ ወይ ድማ ዕንይንይ እንዳበልካ ኣብኡ ምፅናሕን ምብታንን እዩ እቲ መማረፂ:: እቲ ዓለማዊ ይኹን ሀገራዊ ኩነታት ግን ይትረፍዶ ን40ዓመትስ ንሓደ ዓመት እውን ጠጠው ኢሉ ኣይፅበይን ብጣሚ ቅልጡፍ ብዝኾነ ኣግባብ እዩ ዝለዋወጥ ዘሎ:: ድሮ እኳ ኢህወደግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣብ ኣውሮፓ ከብ 15 ዘይውሕዳ ሃገራት ኣብ ምስራቅ ኣፍሪካ ክልተ ሓደሽቲ ሃገራት ተፈጢረን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ብዙሕ ጣጣታት እናረአና ኢና::
ብኻሊእ ገፅ እቲ ዝነበረ ናይ ኒዮ ሊበራል ፍፁም ዓብላላይነት ኣብ ዓለም ብሕታዊ መማረፂ ከምዘይኮነ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቐባልነቱ እናቐነሰ እዩ ኣብ ገለገሊኡ ድማ ውድቀት እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባ (ካብቶም ፈጠርቱ እንተይተረፈ) ዝብል ቅዋም ደፊኡ እናመፀ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ገሊኡ ድማ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እውን እናኸተለ እዩ:: ንኣብነት ሃፍታማት ሀገራት ኣብ ፋይናንስ ዘርፍ (ብዋናነት ኣብ ባንኪ) ዝረአ ዘሎ ምትዕርራያት::
ዋላ እዚ እንተኾነ እውን ግን ሕዚ እውን ወያናይ ዲሞክራሲያዊ መንገዲን ኣተሓሳስባን መተካእታ ዘይብሉ ንሃገርና ብሕታዊ ናይ ዕብየት መንገዲ እዩ:: የግዳስ እቶም ዕላማታት፣ እቲ መስመርን ህዝባዊ ውግንናን ኣስጢምካ ብምሓዝ በቢግዚኡ ዝመፁን ዝርአዩን ምዕባለታትን ለውጢታትን ብዝግባእ እንገምገምካ ነቲ ለውጢን ምዕባለን ዝምጥን ስልቲን ስትራተጂን ብምሕንፃፅ ካብቲ ዝመፀ ለውጢን ምዕባለን ብዝለዓለ ተጠቃሚ ንምኳን ቃልሲ የድሊ:: ምኽንያቱ ወያናይ ዲሞክራሲ ብባህሪኡ ምስ ኩነታት እቲ ናይ ህዝቢ ካበቲ ምዕባለ ዝለዓለ ተጠቃማይ ናይ ምግባር ዝብል ሽኻሉ እንተይለቐቐ እናተመዓራረየ ዝኸይድ ስለዝኾነ::
7/ ምትኽኻእ ኣብ ኻልኣይ ምዕራፍ ቓልሲ
ምትኽኻእ ማለት ሓደ ጉዳይ/ጉዕዞ አካይድኡ (አቅጣጭኡ) ፍጥነቱ እንተይቀነሰ ወይ እናወሰኸ ክቅፅል ዘኽእሎ መስርሕ እዩ:: ብዙሕ ጊዜ ብናይ ዱላ ቅብብል ጉያ ይምሰልዩ እዚ ከምዚ እንተኾይኑ ህ.ወ.ሓ.ት ምትኽኻእ እንትብል ከሎ መሰረታዊ እምነቱን መበገሲኡን እንታይ እዩ ብኸመይከ እዩ ኽፍፅሞ ሓሲቡ ኔሩ ተግባራዊነቱኸ ታይ ይመስል ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ህወሓት ይኹን ኣብ ጠቕላላ ኢህወደግ ዝትግበር ዘሎ መስርሕ ንምርዳእ ጠቓሚ’ዩ፡፡
ምትኽኻእ ሎሚ ብህ.ወ.ሓ.ት/ኢህወደግ ዝተጀመረን አብ ህ.ወ.ሓ.ት/ኢህወደግ ጥራሕ ዝተርአየ መስርሕ እይኮነን፡፡ ምትኽኻእ ናይ ባዕሉ መስርሕን መልክዕን ሒዙ ዝነበረን ዘሎን ንቕድሚት እውን ደቂ ሰባት ፈተውዎ አይፈተዉዎ ዝቕፅል ተፈጥሮአዊ መስርሕ እዩ፡፡ ሰባት ነቲ ተፈጥራዊ መስርሕ እዙይ ተጠቂሞም ግን እቲ ዝጀመርዎ ቀፃላይ ንኽኸውን ይሕመቕ ይፀብቕ ይንኣስ ይዕበ ዝተወሰነ ምትዕርራይ እዮም ኽገብሩ ዝኽእሉ፡፡ እቲ ሓቂ እዙይ ጥራሕ እዩ፡፡ ስለዝኾነ አብ ህ.ወ.ሓ.ት/ኢህወደግ ዝግበር እውን ካብዙይ ዝተፈለየ ክኸውን አይኽእልን፡፡
ህ.ወ.ሓ.ት/ኢህወደግ ምትኽኻእ እንትብል ከሎ ድማ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ብኸመይ ክፍፅሞ ከምዝሓሰበ ኣብ ናይ ሓምለ-ነሓሰ 2001 ዓ/ም “አዲስ ራዕይ” መፅሄቱ ብዕሊ ዘርጊሕዎ እዩ፡፡ ኣብቲ ብአምሓርኛ ዝተዘርገሐ ፅሑፍ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኔርዎ
“ዝሓዝናዮም ዕላማታት ቐፀልቲ ወለዶታት ብተኸታታሊ ቃልሲ ዝሳኽዑ እምበር ናይ ሓደ ወለዶ ስለዘይኮኑ፣ ህ.ወ.ሓ.ት/ኢህወደግ ናይ ትማሊን ናይ ሎሚን ጥራሕ ዘይኮኑስ ናይ ፅባሕ እውን ስለዝኾኑ ፣ ምትኽኻእ ብጣዕሚ አገዳሺን ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ድማ ዕላማታትና ንምዕዋት ዝሓዝናዮ መሰመር ኣብ ዓለምና ይኹን አብ ሃገርና ናይ ኒዩ-ሊቦራሊዝምን ንሱ ዝወለዶ ፅግዕተኛ አተሓሳስባ ብስፍሓት አብዝረአየሉ ጊዜ ብምህላውና ልምዓታዊ/ወያናይ ዴሞክራሲ አተሓሳስባ ፀብለልታ ንኽህልዎ ዝግበር ቃልሲ ዝተሓላለኸ እዩ፡፡ እዚ ንምትግባርን ንምዕዋትን ብቐፃሊነት ናህሩ እንተይቀነሰ ዝኸይድ ሓይሊ ምህላው ከምዘድሊ ብምእማን ናይ ባዕልትና ተሞክሮ ከምዘሎ ኾይኑ ናይ ካልኦት ተሞክሮ ብሰፍሓት ተንቀሳቒና ኢና፡፡ ይኹንምበር ካብቲ ናትና ዝሓሸ ስለዘይረኸብና ኣብ ኢህወደግ በቢክልተ ዓመት ኣብ ዝግበር ጉባኤታት ዝምረፁ ሓደሽቲ አመራርሓታት በቢደረጅኡ ዝግበር ሓደሽቲ ናይ ምምልማል ስራሕ ይካየድ እዩ እዚ ግን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ላዕለዋይ አመራርሓ እኹል አይኮነን ምኽንያቱ እቲ አባል አብቶም ላዕለዎት አመራርሓ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምፅንሖም ዝነበሮም በሉፅ ኣመራርሓን ዝፈጠሩዎ ምትእምማንን ብቐሊሉ ኣብ ጉባኤ ምቕያር ድሌቱ ንእሽተይ እዩ፡፡ እዞም አመራርሓ እዚኦም ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ አድካሚ ተግባር ዝፀንሑን ዝዓርፉሉ ጊዜ ስለዘድልዮም እቲ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ እውን ከይተዳፋእና ምስ ዓቕሞም እንተለዉ ተኪእኻ ንሶም ድማ ብድሕሪት ኮይኖም ተሞኩሮኦምን ዓቕሞምን ነቲ ሓዲሽ ከሕልፉ ይግባእ፡፡ በዚ መንገዲዚ ኣብ ቀፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቀዳማይ ረድፊ/መስርዕ ዘለዉ አመራርሓ ብሙሉኦም ቀስ ብቀስ ክትክኡ ከምዘለዎም:: እቲ ኣመራርሓ ድማ ዕድሚኡ ልዕሊ 65 ዓመት ከይኸውን ኢሉ ከምዝወሰነ እዩ አቐሚጡ፡፡ ካብዚ ክውሰዱ ዝኽእሉ መደምደምታ እንታይ እዮም
1. ምትኽኻእ ብናይ ሰባት ድሌት ጥራሕ ዝትግበር ዘይኮነስ ተፈጥራዊ መስርሕ እውን ምዃኑ፡፡
2. ናይ ምትኽኻእ ሕቶ አብ ህ.ወ.ሓ.ት ተፈጥራዊ መስርሕ ተኸቲሉ ምኻድ ዝከአል እኳ እንተኾነ ዘዋፅእን ዘተአማምንን ግን እንተተቐላጠፈ ምዃኑ ከምዝኣመነሉ፡፡
3. ህ.ወ.ሓ.ት/ኢህኣደግ ናይ ቀፃሊ ወለዶ ውድብ እውን ክትኸውንን እቶም ዕላማታት ብዘተኣማምን ክዕወቱ ካብ ዘለዎ ፅኑዕ እምነትን ድሌትን እቲ ምቅልጣፍ እቲ ላዕለዋይ አመራርሓ ባዕሉ ሓሲቡን ኣንቂዱን ክቀላጠፍ ዝወሰኖ እምበር ብናይ ማንም ድፍኢትን መተሓሳሰቢን ከምዘይኮነ፡፡
4. ኣብ አመራርሓ ዘለውን ዝህልውን ዕድሚኦም ካብ 65 ዓመት እንተዘይሓለፈ
5. ካብዙይ ዝውሰድ ካሊእ ዓብይ ነገር ምትኽኻእ እንትሕሰብ ንተጋዳላይ ብዘይተጋደለ ምትካእ ማለት እውን አይኮነን በብደረጅኡ ሓዱሽ ሰብ ምምፃእ (ካብ ታሕቲ ንላዕሊ) ማለት እምበር
6. እቲ ምትኽኻእ ብሃንደበት ዘይኮነስ ብዝተተለመ መንገዲን ደረጃ ብደረጃን ከምዝካየድ ነዚ ድማ ረድፍታት ከምዝተፈለየ ቀዳማይ ረድፊ ፖሊት ቢሮ ፣ ካልአይ ረድፊ ማእኸላይ ኮሚቴ እናበለ ከምዝኸይድ እቶም ዝወፁ/ዝድይቡ ይኹኑ እቶም ዝወርዱ ድማ እዚ ረድፊዚ ተኸቲሎም እምበር ብሓደ ጊዜ ካብ ኣቦ ወንበር ወይ ፖሊት ቢሮ ናብ ተራ አባል ምፍናው እቲ ዝድለ ዓቕምን ተሞኩሮን ከምዘይርከብ ዝብሉ ዓበይቲ ጭብጥታት አለዉ፡፡
እምበአርከስ ነዞም ሓቂታት እዚኦም ብቕንዕና ብምፍታሽ ኢና ኣብ ህ.ወ.ሓ.ት ምትኽኻእ ከመይ ተኻይዱ ኢልና ክንግምግሞ ዘለና፡፡ አብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ህ.ወ.ሓ.ት ሰፊሕ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ተኻይዱ እዩ እዙይ እውን ቅድሚ 2002 ዓ/ም ኣብ ፖሊት ቢሮን ማእኸላይ ኮሚቴን ዝነበሩን ዘለውን አባላት ብምርአይ ክንደይ ሓዱሽ ኣሎ ኢልና እንትንርኢ ኣብ ፖሊት ቢሮ ብዜካ አባይ ወለዱን ካልኦት ሓደ ወይ ክልተ ዝኾኑ ካሊእ የለን እቶም ዝመፁ ተጋደልቲ ዝነበሩ እዮም ኔሮም እንተዘይተባሂሉ፡፡ እቶም ተፅዕኖ ፈጠርቲን ቅድሚ ደርጊ ምድምሳሱ ሒዞም ፖሊት ቢሮ ዝነበሩ ግን ኩሎም ተተኪኦም’ዮም፡፡ ኣብ መበል 12 ጉባኤ እቶም ብጉባኤተኛ ዘይተመረፁ (ንሱውን ሓደ መልክዕ ናይ ምትኽኻእ ስለዝኾነ) ሓዊስካ 10 ተቐኒሶምዮም መብዛሕትኦም ኣብቲ ቀዳማይ ረድፊ ዝነበሩ፡፡
ርግፅ እቲ ውድብ ኣብቲ ጉባኤ ምትኽኻእ በቲ ዝሓሰብናዮን እንደልዮን ፍጥነት አይመራሕናዮን፡፡ ሰባት ኣብ ምብቃዕ ክነስተኻኽሎ ዝግበአና ጉዳይ ኣለና እዩ ንቐፃሊ ብዕቱብ ክንሰርሐሉ አለና ብዝብል ተቐባልነት ዘለዎ ርእሰ-ነቐፌታ ጌሩ እዩ፡፡ እዚ ድማ ህ.ወ.ሓ.ት ሕዚውን ከምቀደሙ ጉድለታቱ ተቓሊሱ ከዕሪ ዘለዎ ቕሩብነት የርኢምበር ካሊእ የብሉን፡፡ እንተ እቲ ምትኽኻእ ግን ውድብ ንምቕፃል ብዘኽእል አገባብ እዩ ዝካየድ ዘሎ ካብኡ ንላዕሊ ምቅልጣፉ ዝበለፀ ተጠቀምቲ ከምዝገብረና ግን ኣየተሓትትን፡፡
ምትኽኻእ ማለት ዕላማን ሓላፍነትን ምውራስን ወለዶታት ምጉርራስን እምበር ናይ ንብረትን ገዛን ምውርራስ አይኮነን፡፡ ናይ ንብረት ምውራስ እንተኾይኑ ካብታ ዘውረስካላ ዕለት ጀሚሩ እታ ዘውረስካያ ነገር አይናትካን ብሽምካ አይትፅዋዕን ናይቲ ወራሳይ እያ፡፡ ምትኽኻእ ግን ኩሉ ጊዜ ብህይወት ስጋብ ዝሃለኻ ናትካውን እያ ስለዝኾነ ሓላፍነት አለካ ማለት እዩ፡፡
ኣብዚ መምህር ሰይፈ ይኹኑ ካልኦት (ሜ/ጄ አበበ ተክለሃይማኖት እውን ሓዊስካ) እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ንምርዳእ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ እቲ ተጋዳላይ (ኣብ ዕጥቂ ቓልሲ ዝተሳተፈ) ንምንታይ ረአና እንተኾይኖም ዝብሉ ዘለዉ ዓቕምን ክእለትን እንተሊዩዎ፣ ሕዚውን ክመርሕ ይኽእልዩ ተባሂሉ እንተተመሪፁ ኣብ ምንታይን ብኸመይን ጌጋ ከምዝኾነ ኣብቲ ቓልሲን ህዝቢን ዘምፀኦን ከምፀኦ ዝኽእልን ተፅዕኖ ኣይነገሩናን (ስለዘይብሉ ክነግሩና ይፅገሙ እዮም እምበር)፡፡
ከምቲ መምህር ሰይፈ ብተደጋጋሚ ዘልዐሎ ብፃይ አባይ ወልዱ ንምንታይ አቦ-ወንበር ኮይኑ ዝብል ሕቶን ርኢቶን (ምትኽኻእ ኣይተገበረን ካብ ዘበሎ ዝዓበየ ምኽንያቱ እውን እዙይ እዩ ዝመስል) ዓቕሚ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ተጋዳላይ ስለዝኾነ ክትካእ ኔርዎ ድዩስ ውድብ ክመርሕ ዓቕሚ የብሉንዩ? ዓቕሚ የብሉን እንተኾይኑ ናይ ውልቁ ሪኢቶ እዩ ክኽበር አለዎ ግን ድማ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸበ ልዕሊ 1500 ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተወከለ ጉባኤተኛ ንንውሕ ዝበለ ዝመርሖምን ምስኡ ዝሰርሑ ዝበዝሑ አባላት ዓቕሚ አለዎ ኢሎም መስኪሮሙሉ ስለዝኾኑ ምስ ምትኽኻእ ዘተሓሕዝ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣብዝሓ ውሳነ ዘይቕበል ፀረ-ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ እውን እዩ፡፡ ተጋዳላይ ስለዝነበረ ክትካእ ኔርዎ እንተኾይኑ መበገሲኡ ናይ ጥዕና ስለዘይኮነ ተቐባልነት የብሉን፡፡
ኣብዚኣ መምህር ሰይፈ ዳሕራይ ድማ ተጋዳላይ ቀሺ ገ/ገርጊስ (እቲ ዝተዛረብዎ ብፍላይ ድማ እቲ መስመር ኣመልኪቶም ዝተዛረብዎ አመስጊነ) ኣብ ጉባኤ አቦ-ወንበር አመራርፃ ዝምልከት
ዝበልዎ ግን ከምቲ ኣብቶም ኩላትና እንፈልጦም ጉባኤታት ዝለዓለ ቑፅሪ ወይ 1ይ ድምፂ ዝረኸበ አቦ-ወንበር ይኸውን ዝብል ኣይነበረን ብስሩውን ጉባኤተኛ ማእኸላይ ኮሚቴ ይመርፅ እስካብ ቀፃሊ ጉባኤ ሓላፍነት ይህቦም እሞ ንሳቶም ድማ ፖሊት ቢሮ፣ ኣቦወንበርን ም/ኣቦወንበርን ይመርፁ ዝረኸብዎ ቑፅሪ ብዘየገድሽ፡፡ ብአጋጣሚ ግን ይመሳሰል ኔሩ’ምበር ናይ ግድን ዝለዓለ ድምፂ ዝረኸበ ኣቦወንበር ይኸውን ዝብል ኣሰራርሓ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ ብስሩ’ውን ማእኸላይ ኮሚቴ ተኣኪቡ ፖሊት ቢሮ፣ ኣቦወንበርን ም/ኣቦወንበርን ምስያም/ምምራፅ እንተየድለየ ቀዳማይ ኣቦወንበር ካልኣይ ምክትሉ ካበኡ ንታሕቲ ዘለው ፖሊትቢሮ ዝኣክል ቑፅሪ ምሰኣልዐለ ዝተረፉ ተራ ማእኸላይ ኮሚቴ ተባሂሉ ምተኸደ ነይሩ፡፡
ይኹን እምበር ዘይሩ ዘይሩ እቲ ማ/ኮሚቴ ምስተመራረፀ ተመሊሱ ናብቲ ጉባኤተኛ ስለዝእውጅ እቲ ጉባኤተኛ ድማ ጌጋ ኣሎ ኢሉ እንተኣሚኑ መስተኻኸሊ ኽገብር ስልጣን ስለዘለዎ ዝሓሸ ስለዝኾነን ሰፊሕ ዲሞክራሲያዊ ትሕዝቶ ስለዘለዎን ግድፈታት እንተሊዮም እውን ንምስትኽኻ ዕድል ስለዝኾነ ተመራፂ ኣካይዳ እምበር ምንም ዘተሓማሚን እቲ ማእኸላይ በይኑ ዝወሰኖ ነገር የለን፡፡ኣብ ቐዳማይ ጉባኤ’ኮ በሪሁ እዩ ካብ ኣቦይ ስብሓት ንላዕሊ ድምፂ ዝረኸበ፡፡
ስለዝኾነ ሓዱሽ ነገር የብሉን ብስሩውን ኣብቲ ጉባኤ ተጋዳላይ ቐሺ ገ/ገርጊስ ኣሚንኩም ሓለፊነት ዝሃብኩምዎም እኮ ነቲ ማእኸላይ ኮሚቴ እዩ፡፡ ብርግፅ ኣብቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ክምረፅ/ፁ ዘይትደልዩዎ/ም ውሑዳት ክህልዉ ይኽእሉምበር መብዛሕትኦም ከምትድግፍዎም ኣይጠራጠርን መብዛሕትኦም እቶም ኣሚንኩም ዝመረፅኩምዎም ማ/ኮሚቴ ድማ ንኣባይ ወልዱ ገይሮም መሪፆም ሕዚ ድኣ ነቶም ዝመረፅኩምዎም ብነፃነት ነቲ ውድብ ንክልተ ዓመት ኽመርሑ ሓላፍነት ዝሃብኩምዎም ምጥርጣር ንምንታይ አድለየ ክብሎም ይፈቱ፡፡ እዚ ድማ ከምቲ ንስኹም ናይ ህዝቢ/ኣባል ውድብ ውክልና ሒዝኩም ማ/ኮሚቴ ዝመርፅኩም ማ/ኮሚቴ እውን ናይቲ ጉባኤተኛ ውክልና ሒዙ ፖሊትቢሮን ኣቦወንበርን መሪፁ ብኡውን ኣይወደአን ነቲ ዝገበሮ መረፃን ምደባን ተመሊሱ ናብቲ ጉባኤተኛ አቕሪቡስ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቕኩሙሉ ሕዚ ድኣ ታይ ተረኸበ?
ኣብዚ ንኹላትና ግልፂ ክኾን ዝግበኦ ጉዳይ ግን ገሊኡ ብዘይፍላጥ ገሊኡ ብፍላጥ ተመሳሳሊ ሓሳብ ከምዘልዕል ንመረዳእታ ክኸውን እምበር መምህር ሰይፈን ተጋዳላይ ቀሺ ገ/ገርጊስን ሓደ እዮም ማለት እይኮነን፡፡ መበገሲኦምን ድሌቶምን በበይኑ እዩ፡፡
ኣብ ላዕሊ ካብ መጀመሪያ ጀሚሮም ዝተገለፁ መሰረታዊ ባህሪ ናይቲ ውድብ ሕዚውን ኣብ ቦተኦም ከምዘለው ዘረጋገፁ ሓቂታት እዮም፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን እቲ ውድብ ይኹን ሕድሕድና ኽንቃለሰሉ ዝግበአና ድኽመታት አለዉ እዮም ካብአቶም ንምጥቃስ፡-
1. ኣብ ምትኽኻእ ክንዲቲ ዝሓሰብናዮን ቃል ዝአተናሉን ደረጃ ፍጥነት አይተወሰደን ስለዝኾነ ብፍላይ ተካእቲ ኣብ ምፍራይን ምብቃዕን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ አለና ተባሂሉ ብንፁር ኣብቲ ጉባኤ ዝተቐመጠ ሕዚ’ውን ትልሚን ፕሮግራምን ወፂእሉ ብፅንዓት ክትግበር ኣለዎ::
2. ኣብ ሰናይ ምምሕዳር (ፍትሒ ፣ ጉቦ ፣ ኣድልዎ ፣ ፀረ-ዲሞክራሲ ….) ዓብይ ክፍተት ካብ ላዕሊ ስካብ ታሕቲ ፈጢጡ ይረአ አሎ፡፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ሚዛኑ ክሕሉ ዘለዎ ግን ከምቲ በዓል ኣይተ ዳዊት፣ መምህር ሰይፈ፣ ሜ/ጄ አበበን ይኹን ካሊእ ዝብሉዎ ህ.ወ.ሓ.ት ፍጹም ናብ ፀረ-ዲሞክራሲ ተቐይሩ፣ ትግራይ ኣርሒቑ ዝእምት ሰብ ስኢና፣ እቲ ኣመራርሓ ከምዘይድሕን በስቢሱ እዩ ካብ ናይቀደም (ብኣይተ ዳዊት አበሃህላ ካብ ጃንሆይ ብጀቤ ድማ ካብቲ ንሳቶም ኣብ አመራርሓ ዝነበሩሉ ምዃኑ እዩ) ዝበአሰ ኾይኑ ወዘተ… ዝብል መሰረት ዘይብሉ ዘረባ ዘይኮነስ እቲ ግዑዙይ ምሕደራ ኣሎ ግን ድማ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን መሰለይ ኢሉ ንሰበ ስልጣን ደፊሩ ዝሓትት ህዝቢ ስለዝተፈጠረ (ካብቶም መሰረታዊ ዓወታት እዩ)፣ ናይቲ ሕ/ሰብ ድሌት እናሰፍሐ እቲ ቀረብ ድማ ስለዝሓፅርን (ኩሉ ጊዜ Demand is greater than supply) ካብዚ ንላዕሊ ድማ እቲ ናይ ዲሞክራሲ መሰረት ዝኾነ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ኩነታት ዝፈጠሮም እምበር እቲ ኣብ ትግራይ ዝመፅእ/ዝምዝገብ ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዕቤትን ለውጢን በቶም ፍፁም ፀረ-ዲሞክራሲ ዝነበሩ ስርዓታት ኣይመፀን ክመፅእውን ኣይኽእልን፡፡ ስለዝከነ ፍፁም ፀረ-ዲሞክራሲ ዝኾነን ኣርሒቕካ ምእማት ዝኣበዮን ከምዚ ዝበለ ለውጢ ኣይመፅእን፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ክንልወጥን ቀፃሊ ዕቤት ክመፅእን ግን እቶም ድኽመታት ክንዲዝኾነ ደረጃ ይሃልዎም ክንቃለሶምን ደረጃ ብደረጃ ክራይ ኣካቢ ኣተሓሳስባን ተግባርን ክሰዓር አለዎ፡፡
3. ኣብ ምቅልላስን ህንፀትን እውን ድኽመት አሎ ኣብ ገሊኡ ብዘይኮነ ምድግጋፍን ዝነቅፍን ዝእርምን ጌጋ እንተሊዩዎ እውን ብመርትዖ ኣብ ክንዲ ምትእርራም ምርሕሓቕን ምኩርራፍን ብሰፊሑ ይረአ እዩ፡፡ እዚ ከም ኣብ ድሑር ባህሊ ዘለዎ ሕ/ሰብ ዘለና ሰባት ከጋጥም ዝኽእል እንተኾነውን ዕንቅፋት ምዃኑ ግን ኣይቀረየን፡፡ ብፍላይ ኣብቲ መንእሰይ ነቲ ቅዱስ ዕላማን መስመርን ፈሊጡ ፀኒዑ ክቃለስ ሰናይ ድሌት ናይቶም ኣብ ኣመራርሓን ኣብ ስልጣን ዘለዉን ሰባት/ኣካላት ክፅበ የብሉን፡፡ ሽግር እንተፈጢሮም እውን ከቃለሶም እዩ ዘለዎ እምበር ዝተወደአ ነገር ኣይኮነን ክርከብ ዝውዳእ እንተዝኸውን እማ ቃልሲ ኣይመድለየን ሐደ መራሒ/ጠርናፊ ከምዚ በለኒ እከለ ከምዚ ኣይገበረለይን ኢልካ ምኹራይ ናይ ፅንዓትን ጀግንነትን ዘይኮነስ ናይ በለፅን ፍርሒን መርኣያ እዩ፡፡ መምህር ሰይፈ ካብ ዝተዛረቦ ካብ ሓደ ምሁር ዘይትፅበዮ “ገለ መራሕቲ እንታይ ኢኹም ስልጣን ትደልዩ” ይብሉ እዮም ኢሉ ብጣዕሚ ኾርዩ/ተናዲዱ ተዛሪቡ፡፡ ናይእማን ተባሂሉ ድዩ ገዲፍና እንተዝበሃል እውን ኣብ
መንገዲ ሐደ ኣብዝኾነ ደረጃ ይሃሉ ሰብ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተዛረቦ ከም ናይቲ ውድብን ኩሎም ኣመራርሓ ዝውክል ጌርካ ምቅራብ እንታይ ንምርካብ እዩ ብዝበለፀ ክትቃለስ ይገብር እምበር የኩርይን ኣኩሪፍካ ነቲ ውድብ ክፈርስ ትምነየሉ ዲኻ ብስሩ እውን ቅንዕና ድኣ ውሒድኩም እምበር ስልጣን እኮ ብቑዕ ኮይንካን ሓላፍነት ክትርከብ ድሉው ምኳንን ይሓትት እዩ:: ሓደ ብዝተዛረቦን ብዝፈፀሞ ጥፍኣትን/ጉድለታን ተናዲድካ እዛ ውድብ ዚኣ እናበልካ፣ ንኽራይ ኣካብነት፤ ንትምክሕቲ፤ ንፀቢብነትን ኩሎም ዕንቅፋታትን ንቃለሶም እንትበሃል ድማ ንህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ምብዛሕ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እዩ እናበልካ፣ ባኻሊእ ገፅ ከዓ ንሕድሪ መለስን ኩሎም ስውኣትን ብፅንዓት ክንኽተል እንትባሃል’ውን ናብ ሕቶ እናእተኻ፣ እቲ መስመር 100% ሰብ እንተዝይተቐበሎ እናተጠራጠርካ ብሓፈሻ ዝረአን ዝጭበጥን ንፁር ቅዋምን ፅንዓትን ዘይወነነ ሰብ ሓላፍነት ክሽከም ይኽእል እዩ ድዩ እቲ ኣበሃህላ፡፡ ከምኡ እንተኾይኑ ተርጉምን ተቐባልነትን ዘይብሉ እዩ:: ብዛዕባ ብጣዕሚ ብዙሓት ሰማእታት ዘሸከሙና ሀገርን ህዝቢን ናይ ምልዋጥ ሕድሪ እምበር ብቐሊሉ ዝመፀን ዝተረኽበን ተራ ናይ ስልጣን ምሓዝ ጉዳይ እኮ ኣይኮነን ክትረከቡ ዝበሃል ዘሎ::
4. ብመሰረቱ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ክረአ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ኣብ ኣመራርሓ ዘሎ ሰብ ኩሉ ጊዜ ናይ ህዝቢ ድሌት ምምላእን ሕቶ ምምላስን ቀዳማይን ዋና ስርሑን ምዃኑ ኣሚኑ ብህዝቢ ዝልዓሉ ሕቶታትን ዝረአዩ ድሌታትን ካሊእ ትርጉም እንተይሃበ ክምልስን ከማልእን ይግባኦ፡፡ኣብዚ ዓብይ ክፍተት ኣሎ እዚ ድማ ኣብ ገሊኡ ካብ ዓቕሚ ምንኣስ ዝብገስ ኾይኑ ምምላስ ምስኣበዮም ስልጣኖም ተጠቒሞም ናብ ፀረ-ዲሞክራሲ ዝኾነ መፍትሒን ዘይትርጉሙ እናሃብካ ኪራይ ኣካብነትዩ ናይ ተቓወምቲ ሓሳብ እዩ እናበሉ ሰብ ዘሸቁሩሩ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታት አለዉ እዮም ገሊኦም ድማ ኮነ ኢሎም ዘበላሽዉውን ክህልዉ ይኽእሉዮም:: እዚ ብድፍረት ክንቃለሶ ናይ ኩሉ ኣባልን ህዝብን ሓላፍነት ኮይኑ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ እውን ብቖራፅነትን ብፅንዓትን ትኹረት ሂቡ ክሰርሓሉን ክመርሖን ይግባእ::
5. ኣብቲ ውድብ ይኹን ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ካብ ዝለዓለ ስጋብ ዝተሓተ ናይ ኣመራርሓ ኣካላት በቢደረጆኦም ስጋብ ታሕተዋይ ደረጃ ሕ/ሰብ ወሪዶም ከዘራርቡን ሓሳቡን ሕቱኡን ክሰምዑ አለዎም፡፡ እዚ ድማ ናይ ትርፊ ጊዜ ወይ ጊዜ እንተተረኺቡ ዝስራሕ ዘይኮነስ ከምሓደ ዓብይ ስራሕ ተራእዩን ፕሮግራም ወፂእሉን ክፍፀም ዘለዎ እዩ፡፡ ኣብቲ ሕ/ሰብ ዘሎ ትኽክለኛ ስምዒት/ቅረይታ እንታይ ምኳኑ ብኣካል ተረኺብካ ንምርዳእን ዝምጥን መፈትሒ ንምሃብ ስለዝሕግዝ፡፡
6. እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ እውን እንተኾነ ካብ መዓልታዊ ሕቱኽቱኻት ወፂኡ ኣብ ስትራተጂክ ዝኾኑ ሰባት ናይ ምብቃዕ፣ ኣብቲ ህዝቢ ዘለው ዝተፈላለዩ ሽግራት (ሰናይ ምምሓዳር ማእኸል ዝገበረ) ዝፍትሕሉ መሰረታዊ ኣንፈታት ኣብ ምሕባርን ኣብ ናይ ውሽጢ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ቓልስን ኣተኪሩ ክሰርሕን ኣመራርሓ ክህብን ይግባእ
እዚኦም እቶም ቁልፊን መሰረታዊን ኢልካ ክውሰዱ ዝኽእሉ እዮም ኣብዚኦም ተረባሪብና እንተሰሪሕና ድማ እቶም ካልኦት ባዕልቶም ክጠፍኡን ክፍትሑን ዝኽእሉ ፀገማት እዮም፡፡ ብሓፈሻ ግን ኩሎም ድኽመታት ትኹረት ዝሓቱን ብቆራፅነትን ብልብን እንተሰሪሕና ኽቃለሉን ኢሎምውን ካብ መሰረቶም ኽፍትሑ ዝኽእሉዮም፡፡ ህ.ወ.ሓ.ት ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ብብዙሓትን ብጣዕሚ መጨነቕቲን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሽግራት ኣጋጢሞምስ ባህሪኡ እንተይቀየረ ብዲሞክራሲያዊን መእመናይን መምሀራይን ብዝኾነ አግባብ እናፈትሐ ዝመፀን ሸፊሕ ተሞክሮን ልምዲን ዘለዎን ብኣውርኡ ድማ ከም ቁልፊ መለልዪ ባህሪኡ እውን እዩ:: እዚ ድማ ኣብቲ ካልአይ ናይ ቃልሲ መድረኽ (ቃልሲ አንፃር ድኽነት) እውን ተፈቲኑ ዕላምኡን ባህሪኡን እንተይቀየረ ብዓወትን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ውድብ እዩ፡፡
ብኻሊእ ገፅ በዓል መምህር ሰይፈን መምህር ገብረመድህንን ኣብቲ ናይ ድምፂ ኣሜሪካ ቃለ-መሕተት እቲ ጋዜጠኛ “ኣብ ናይ መለስ ራዕይን ን40 ዓመት ዝኸውን መልሲ ገዲፉልና ይባሃል” ኣብዚ እንታይ ትብሉ ኢሉ ምስሓተቶም ክልቲኦም ምሁራት ብጣዕሚ ብዘሕዝን መንገዲዮም መሊሶም ብርግፅ ንመለስን ህ.ወ.ሓ.ትን ዘለዎም ፅልኣትውን ኣጉሊሁ ዘርኢ እዩ እንትምልሱ ድማ “ብጣዕሚ እዩ ዝገርም ኢሎም” ይጅምሩሞ “ብስሩ ሓደ ሰብ ከመይ ኢሉዩ ንአርባዓ ዓመት ክግምት ዝኽእል ኣብ መንጎ ዝመፅእ ምዕባለን ለውጢን ከመይ ጌርካ ይፍለጥ እዚ ብጣዕሚ ዘሕፍርዩ ትግራይ ይኹን ህ.ወ.ሓ.ት ከም መለስ ዝበለ ክፈጥሩ አይኽእሉን ማለት ድዩ እዚ ነቲ ህዝቢ ይኹን ነቲ ውድብ ወላ ንባዕሎም ነቶም መራሕቲ ፀርፊ እዩ ብስሩ እውን እኮ ናይ መለስ ሓሳብ ኩሉ ሰብ ይቕበሎዩ ኢልካ ዝውሰድ አይኮነን “ይብሉ
ኣብዚ ናይ’ቶም ምሁራት ድኽመታት እቲ ናይ መጀመሪያ ራዕይ፣ አሰር (Legacy) ምኽታልን ንመስመር ምንፃር ዘሎ አፈላላይ ዘይምርዳእን ወይ ከዓ ኮነ ኢልካ ሓደ ከምዝኾኑ ጌርካ ምውሳድንዩ ኣፈላላዮምን እቲ ዝተበሃለን ልዕል ኢሉ ተገሊፁ እዩ፡፡ እቲ ካልኣይን መሰረታዊ ምዝባዕ ኣብ እንታይነትን መሰረተ ሓሳብ ናይ ዲሞክራሲ ድማ ናይ መለስ ሓሳባት ኩሉዶ ተቐቢሉዎም እዩ? ዝብል እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ/ትግራይ ካብኦም (ካብቶም ናይ መለስ ሓሳባት ዝበሃሉ) ከምዝጥቀም ስለዝኣመነ እማ እዩ ኮ ኣብቶም ተኸታተልቲ መረፃታት ንህ.ወ.ሓ.ት/ኢህወደግ ዝመረፀ እሞ እቲ ህዝቢ ንህ.ወ.ሓ.ት ዝመርፅ ዘሎ ዝጠቕምን ዘይጠቐምን ዘይፈለጦዩ ማለት ድዩ:: በቲ መስመር ተጠቃማይ ስጋብ ዘሎ ድማ ውሑዳት ድማ ዘይቕበሉዎ ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ ሓደ ሓሳብ 100% ኩሉ ዝቕበሎ እንተዝኸውን ቃልሲ ኣየድልን ኔሩ፡፡ ብስሩ ዲሞክራሲ ማለት ናይ ኣብዝሓ ድምፂ ወሳናይ ዝኾነሉ ናይ ውሑዳት ድማ ዝስመዐሉ/ዝድመፀሉ ስርዓት’ዶ ኣይኮነን’ዩ? ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝበሃል ዲሞክራሲ ካበይ እዩ መፂኡ? እቲ ሳልሳይ ጌጋኦም ዝህቡዎ ሓሳብ ምስ ውልቀ መራሕቲ ካብ ዘለዎም ምፅላእን ምፍታውን ተበጊሶም ኾርዮም ምፅሓፍን ምዝራብን ወከባን ዕግርግርን ምፍጣር መፍትሒ ጌርካ ምውሳድ እዩ፡፡
ኣብዚ ከይተገፀ ክሕለፍ ዘይብሉ ነገር ኣብቶም ዝተገፁ ምሁራት ጥራሕ ዘይኮነስ ድሓር እውን ሜ/ጀ ኣበበ እውን ዘልዐሎ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ብዙሓት ፀሓፍቲ (scholars) ዝበሉዎ እዮም ክነግሩና ዝሙኩሩ ዘለው፡፡ እዚ እቲ ዘንበብኩምዎ መፅሓፍ ምንጋርኩም ፅቡቕ እዩ ምናልባት ዘየንበቦ ሰብ ክህሉ ስለዝኽእል ይጠቅም እዩ፡፡ ግን እኮ እቶም ፅሓፍቲ መንቀሊን መደምደምታን ዝግብሩዎ ኣብ ሰማይ ኮይኖም ዘይኮነስ እቲ ዝነብሩሉን ኣዕርዮም ዝፈልጥዎን ማሕበረ-ሰብ እዩ፡፡ እሞ እዚ ከምዘለዎ ኣብ ሀገርና ተግባራዊ ክኸውን ዲኹም ትብሉ ዘለኹም? ብስሩ’ኸ ውግንና ዘይብሉ ዲሞክራሲ ኣሎ ዲኹም ትብሉ ዘለኹም? እንተሊዩ ዘርዚርኩም እንተትነግሩና እሞ ዘዋፅእ እንተኾይኑ ክንክተሎ እምበር ስጋብ ሕዚ ዋላ እቶም ከም መረዳእታ እትገልፅዎም ምሁራት እውን እንብሉ ኣይሰማዕናን፡፡
ካሊእ አብቲ ቃለ መሕተት ካብ ዝብሉዎ ብዙሕ ዝተዛበዐ ነገር ሓደ “ምትኽኻእ ናይ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሓሳብውን ክኸውን አለዎምበር በታ ዝሃብናካ ጫማ ትስፋሕኻ ትፅበብካ ንሳ ጥራሕ ኢኻ ክትረግፅ ዘለካ ክበሃል የብሉን” ኢሎም እዚኣ ድማ ቅድሚኦም ኣይተ ዳዊት እውን ኢሎማ ኔሮም ዳሕራይ ኸዓ ሜ/ጄ አበበ (ብልሹ አስተዳደር….ብዝብል ኣብዚ ቐረባ ዝዘርገሖ ፅሑፉ) እውን ደጊሙዋ ምስዙይ ተታሒዙ ካብቲ ጉባኤ ዝተፀበኹምዎ’ዶ ረኺብኩም? ተባሂሎም ተሓቲቶም ዝተወሰነ ከምዝረኸቡ ብአጠቓላሊ ግን ከምዝይረኸቡ ኣብቲ ህዝቢ ግን ምንቕቓዕ ከምዝጀመረ እቲ ንውድብ ዝነበሮ ዕሙት እምነት እናላሕለሐ ከምዝኸደ እዚ ድማ ሓደ ዓወት ጌሮም’ዮም ገሊፆምዎ፡፡
ኩሎም ድማ ኣብዚ እዩ ኣብቲ መስመር ህ.ወ.ሓ.ት ዘለዎም ቅዋም ፈጢጡ ዝወፅእ ህ.ወ.ሓ.ት ናይ ትማሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሎሚን ናይ ፅባሕን ውድብዩ ክበሃል ከሎ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ እቲ ህዝቢ ፣ ዕላማታትን መስመርን ብቐፃልነት እንተሒዙዩ እምበር ኣብዚኦም ለውጢ እንተልዩ ህ.ወ.ሓ.ት የለን ስለዝኾነ ናይ አተሓሳስባ ምትኽኻእ ዝብሉዎ ዘለዉ አብዚኦም ክትክኡ አለዎም እንተኾይኑ ዘይኸውንዩ፡፡እስቲ ንኣብነት ልምዓታዊ/ወያናይ ዲሞክራሲ ይተካእ እንተተባሂሉኮ ብኒዩ-ሊቦራል/ፅግዕተኛ ዲሞክራሲ እዩ ክትካእ እዙይ እንታይ ማለትዩ እቲ ህዝቢውን ብሃፍታማትን ብሰብ ገንዘብን እቲ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ብክራይ አከብቲ እዩ ክትካእ እዙይ ድማ ጌጋዩ ናይ ምትኽኻእ ዕላማውን አይኮነን፡፡ቀፂሎም ድማ በዓል መምህር ነቲ ኣይተ ዳዊት ዝብለዎ ብምድጋም “ብስሩ እቶም መራሕቲ ይእመንሉ ኣይእመንሉ ይፍለጥዎ አይፍለጥዎ እቲ ናይ ሓሳብ ምትኽኻእውን ይረአሎዩ ዲሞክራሲ ብፀረ-ዲሞክራሲ ቅንዕናን ሓቀኝነትን ብዘይቅንዕናን በለፅን ፣ ፍትሒ ብአድልዎ ወዘተ…. ይትካእ አሎ” ይብሉ መምህር:: እዙይ ድኣ ምትኽኻእድዩ ምስዓር እዩምበር ወዮ እዚኦም እማ ተባሂሎም ተፈልዮምስ ብፅንዓት ክንቃለሶምን ክነውግዶምን አለና ተባሂሎም ዝተቐመጡ እምበር ተካእቲ እኮ ኣይኮኑን ድዩስ ናይ ሀገርና ተቓውሞ ንነገራት ካብቲ ተፈጠሮኦም እውን እናጎተትካ ከምድላይካ ጌርካ እናሓዋወስካ ናይ ምቅዋም ሕማም እዩ፡፡
ብኻሊእ ገፅ እቲ ንትምክሕተኛታትን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ዘፀገመሎምን ህዝባዊነት ህ.ወ.ሓ.ት ዝፈጠሮ ናይ ውድብን ህዝቢን ዝምድና እውን የፅለኦም ስለዝኾነ ተፀብዮ’ሞ ዝነበሩ ኣብቲ ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ንድኽመታቱ ዘርዚሩ ብምውፃእ ንምፍትሑ ኣይቃለስን እዚ ድማ በቃ ምስቲ ህዝቢ ከበኣስዩ ኢሎም ተፀብዮም ስለዝነበሩ ብግልባጡ ህ.ወ.ሓ.ት ሕዚውን ህዝባዊነቱ አረጋጊፁ ስለዝወፀ ደንጊፆም ዝተዛረብዎ ምዃኑ እዩ ዘርኢ፡፡
ኣብዚ ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ክርድኡዎ ዘለዎም መሰረታዊ ጉዳይ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህ.ወ.ሓ.ትን ዘሎ ምትእስሳር ንምብጣስን ውድብን ህዝቢ ንምንፃል ነቲ መሪሕነት ፊሊኻ ብምውቃስን ሽም ብምጥፋእን ክሽቑረር ብምግባር እቲ ዓንቀፍቀፍ ከቕፅልን ኣብዘይ መሰረታዊ ሕቱኽቱኽ ተፀሚዱ ናይ ህዝቢ ሕቶን ሽግርን ከይምልስ ብኡ ኣቢሉ ህውሓትን ህዝቢን ንምፍልላይ ዝግበር ፈተነ እንተኾይኑ እቲ ዝምድናን ምትእስሳርን ውድብን ህዝቢን ኣብቲ ዕላማን መስመርን ስለዝኾነ እቶም ዕላማታትን መስመርን ስካብ ዘለው ከንቱ ፃዕሪ እዩ፡፡ እቲ ህዝቢ ከምቲ እትግምትዎ ስቕ ኢሉ ዝጉተት ዘይኮነስ ከመይ ገይሩ ነታ ውድብ ከምዝመርሓን ናቱ ትእዛዝ ከምትፍፅም ገይሩ ከምዘዕርያን ኣዝዩ ዝፈልጥ እዩ::
እዚ ድማ በቲ ሓደ ገፅ ብዝተፈላለየ መንገዲ ስልጣኖም ዝለቀቑን ካብቲ ውድብ ዝወፁን ንሶም እናሃለዉ ህ.ወ.ሓ.ት ፅብቕቲ ከምዝነበረት ሕዚ ግን….. (ንሶም ዝፈጠሩዋን ናይውልቆም ንብረት ከምዝኾነትን ብዘምስል) መንገዲ እንትገልፅዋ (ህዝቢ ትግራይ ፈጢሩ ኣብዚ ከምዘብፆሓን ንብረት ህዝቢ ትግራይ ምኳና ረሲዖም) እቶም ካልኦት ድማ ንቕድሚት ዝእምት አመራርሓ ከምዘይብላ ንሳቶም እንተዘይኣትዮሞ ድማ ብላሽ ከምዝኾነ ዝገልፁ አለዉ ነዚኦም ኩሎም ህ.ወ.ሓ.ት ናይ ህዝቢ ትግራይ እምበር ናይ ውልቀ መራሕቲ ከምዘይኮነት ክንነግሮም እንተለና እታ ናይ ትማሊ ህወሓት ሎሚ እውን ኣላ ፅባሕ ከምእትህሉ ርግፀኛታት ኮይንና ኢና:: ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ጌጋ እናአረመ ዝጎበጠ እናቃነዐ ህዝባዊነታን ዲሞክራሲያዊ ባህሪኣ ሓሊያ ክትጓዓዝ ይገብር ከምዘሎ ነዚ እውን ነቶም በቢኸባቢኡ ዝረአዩ ጌጋታት እናነቐሰ እዙይ ይታኣረም እዙይ ይቃናዕ እዩ ዝብል ዘሎ፡፡ እዚ ድማ ካብ ሰናይ ጊሓቱ ዝነበረን ዝቕፅል ዘሎን እዩ፡፡ ወዮ ድኣ ሎሚ ሰላ ሚድያ ብሓደ ግዘ ናብ ኩሉ ስለዝበፃሕን መራገብቲ እውን ስለዘለዉ ዝተጋነነ መሲሉ ይረአ’ምበር እቲ ህዝቢ ቅር ዝበሎን ክእረም አለዎ ኢሉ ዝኣምነሉ ካብ ምዝራብ ኣየቋረፀን ኣብ 1977 ዓ/ም ዝነበረ ናይ ህዝቢ ቓልሲ ከም መርኣያ ምውሳድ ይካኣልዩ፡፡
ኣብዚ ተጋዳላይ ቐሺ ገ/ገርጊስ ዝበሉዎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ትግራይውን ዝመስለኒ “መስመር ህ.ወ.ሓ.ት ሓያልዩ ካብ ድኽነት ዘውፀአና እውን ንሱ ጥራሕዩ እቲ ህዝቢ ነዚኣ ብፅንዓት ተቓሊሱ ዘቃልስዩ ዝደሊ እንተዘየለ በዚኣ ዝመፅእ እንተሃልዩ ህዝቢ ትግራይ ትዕግስቲ የብሉን ስለዝኾነ ኣብዚ ጉባኤ እቲ ለባም ሰሚዑ ኽፀንዕ እቲ ቐይናን ድማ ኽስምብድ ጌርና ኣለና“ ኢሎም እዚ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ኾይኑ ይኹን ኣብ ውሽጢ ህ.ወ.ሓ.ት ኾይኑ ዘበላሹ ብሙሉኡ ትምልከትያ እሞ ሕዚውን ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ነቓፅ ዝበሃል ነገር ከምዘየለ ዘረጋግፅ ሓቂ እዩ ዝመስለና፡፡
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝቃወም ይኹን ዝድግፍ ዝመስሎ ሓሳብ ብዝመስሎ ኣግባብን መንገዲን ምግላፅ ዝተባባዕን ሓደ ካብቶም ዕላማታት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ኣብ ጠንካራ መሰረት ክህነፅን ዘመናዊ ብዝኾነ ኣግባብ ከቕፅል ዘለዎ ኾይኑ ኽእረሙ ዝግቦኦም ጉዳያት ግን፡-
1. ኽቃወምን ኽድግፍን ካብ ሓንቲ ተርእዮ ተበጊስካ ዘይኮነስ ብቅድሚትን ብድሕሪትን ዘሎ ጭቡጥ ነገር ብዝግባእ ተንቲንካ እትኣምነሉን ብቐዋሚነት ክትቃለሰሉን ዝግባእ ምኽንያታዊ ዝኾነ አተሓሳስባ ምሓዝ የድሊ እንተዘየለ ኣብ ሓደ እዋን ዝተርአየ ተርእዩ ክእረምን ክስተኻኸልን ዝግቦኦ እኳ እንተኾነ ብጫፍ ሒዝካ ኣካኪ ዘራፍ ምባል ግን ፅባሕ ዝፎክስን ንመንነትካ ዘቃልዕን እምበር መኽሰብ ከምዘይርከቦ ምፍላጥ የድሊ፡፡
2. ኩሉ ዝቃወም ካብ ብመሰረቱ ኣፈላላዩ ኣነፂሩ መማረፂ አቕሪቡ እምበር ካብ መሬት ተላዒሉን ምስ ሓደ ሓላፊ ተኾራኺሑን ብሙሉኣ ውድብ ተበላሽያ ምባል ርሑቕ ኣይኸይድን፡፡ ውልቀ ሰባትን ውድብን ፈላሊኻ ምርአይ የድሊ እዩ፡፡
3. ሕዚውን ነቲ ቓልሲ ይኹን ነቲ ህዝቢ ዝጎድኡን ዘዕንቅፉን አተሓሳስባታትን ተግባራት መንነቶም ምግላፅን ዝምጥኖም ቃልሲ ንምክያድ ብዝጥዕም ምግላፆም (ማለትውን ኪራይ አካቢ፣ ትምክሕቲ ፀቢብ ፣ ክሕደት …. ወዘተ) ሽሞምን ዓይነቶምን ይፈላለዩምበር ኩሎም ንቲ ቓልሲ ኣንፃር ድኽነት ዕንቅፋታትዮም ኽውገዱ ምበር ተጃሚልካ ኣይኽየድን፡፡ ከምቲ ሜ/ጄ አበበ ዝብሎ ተመሊሱ ድኣ የፍርሶዩምበር ወይ ዲሞክራሲያዊ ምኳን’ዩ ወይ ድማ ፀረ-ዲሞክራሲ ምኳን እዩ ኣብ ሞንጎ ንኽልቲኡ እናሓዋወስካ ምኻድ ኣይከኣልን፡፡ ስለዝኾነ ንኹሎም ከከምባህሪኦም ብሽሞም እናፀዋዕኻ ምቅላስ አገዳሲዩ፡፡ እቲ ኣብ ሓደ ሓደ ሓለፍቲ ዝረአ ካብ ዓቕሚ ምንአስን ኮነ ኢልካ ዝግበር ንኹሉ ሰብ ኣብ ክንዲ ትኽክለኛ መልሲን መፍትሒን ምሃብ መልሲን መፍትሒን እንትስእኑ ብዓቕሊ ፅበት ዘንፀባርቕዎ ክእረም ከምዘለዎ ኾይኑ ቅዋምካን እምነትካን ፈሊኻ ምኻድምበር ሓዋዊስካ ምኻድ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስን ውድቀትንዩ ጥራሕ ዘይኮነስ በለፀኛ ኣካይዳ እውን እዩ፡፡ ከምቲ መምህር ሰይፈ “ኣብ GTP2 ኣብ ትግራይ እንታይ ኢና ንብል” ዝብል ዝፀሓፎ
እዚኦም ኩሎም ፀላእቲ ብዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ውሑድን ድኻን ህዝቢ ከመይ ጌሩ ይደፍኦም ፀላኢ ምብዛሕዩ ዝብሎ ናይ ዘይብሰለቱ መርኣያ ሓሳብ እዩ እምበር እዚኦም ኩሎም እኮ ናይ ኪራይ ኣካብነትን ፀረ-ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባን ተግባርን እሞ ድማ ኣብ ኩሉ ኣብ ስልጣን ይሃሉ ኣይሃሉ ዝረአዩ ዓንቀፍቲ ኣረኣእያታት እዮም እምበር ከምቲ ፊዚካል ኣድራሻ ሃሊዩዎም ብበትሪ ወይ ብጥይት ዝቕተሉ ዘይኮነስ ኣብ ኣተሓሳስባን ተግባርን ናይ ሰባት ዝረአዩ እዮም፡፡ መፍትሒኦም ድማ ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን አተሓሳስባ ዓብላላይ ክኸውን ብፅንዓት ምቅላስዩ፡፡ እዙይ ድማ ብስለትን ቅዋምን ኢሉውን ቅንዕና ዝጎደሎ ኣበሃህላ እዩ፡፡ ብስለትን ቅንዕናን አለኒ እንተተባሂሉ ድማ ባጫ/ሕጫጨ እዩ እዚ ድማ ተመሊሱ ናይ ብስለት ዋሕዲምበር ንህዝቢ ትግራይስ ሕጫጨ አየድልዮን አይግቦኦን እውን ነዞም ኩሎም ዓንቀፍቲ አርኣእያን ተግባርን ከመይ ተቓሊሱ ከምዝስዕርን ሽግራት ከምዝፈትሕን ኣፀቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ ስለዝኾነ፡፡
ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ገፅ ኣብ መዋእሉ ካብዘሕለፎ ዘይተመበርከኸ ናይ ቃልሲ ዘመናት ብመሪሕነት ህወሓት ካብ ዘዕወቶም ዓበይቲ ስራሕቲ እቲ ሓደን ምናልባት’ውን እቲ ቐዳማይ ዓወት ካብ ድሑር ኣተሓሳስባን ገዛእቲ ዝፈጠርዎ ዝተዛበዐ ናይ መሰል ኣተረጓጉማን መጀመሪያ ንባዕሉ ሓራ ምውፅኡ እዩ፡፡ በዙይ ኣቢሉ ድማ ገዛእቱን በደልቱን ናብ ሕሱም ናብራ ክኣቱ ዝገበርዎ ገዛእቲ ደርብታት ምኳኖም ፈሊጡ እቶም ገዛእቲ ምስ ኩሉ ዓይነት ድሕረቶምን እምነቶምን ካብ ቑሸቱ ካብ ምቅላስ ሓሊፉ ናይ ገዛእቲ ኣተሓሳስባታት ነቒሱ ብምውፃእን ፀኒዑ ብምቅላስን ካብ ድሕረት ተናጊፉን ብቐፃልነት የናግፍ ኣሎን (እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ፀረ-ኪራይ ኣካብነትን ካልኦት ኩሎም ዓይነት ምድሕርሓራት ሓደ መርኣያ እዩ)፡፡ ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብ ብጊሓቱ ንህወሓት
እንትመርፅ ትግርኛ ተዛራቢት ስለዝኾነት ወይ ድማ ካልኦት ኣማራፂታት ስለዘይነበሩ ኣይኮነን ካብቶም ኣበቲ እዋን ንዓኻ ናፃ ክነውፅእ ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሉዎ ብዙሓት (እሞ ድማ ብሓይሊን ብዕጥቅን ይኹን ብዝና ኣዕርዮም ዝሓሹ ውድባት ነይሮም) ብዕላማን መስመርን እዩ ንህወሓት ዝመረፀ፡፡ እንታይነትን ምስጢርን ዝምድና ንቓልሲ ምቹው ኩነታት ዝፈጠረ ህዝብን ንቲ ህዝቢ መሪሑ ናብ ዓወት ዘብፀሐ ህወሓትን ድማ ካብዙይ ይፍልፍል፡፡
******************
ኣይተ ዮናስ ብስሩ ዲሞክራሲ 50+1 ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ድማ ብመሰረቱ ባዕልኻ ዘፍረኻዮ ንባዕልኻ ትጥቀመሉ ኮይኑ እቲ ናይታ ሀገር ኢኮኖሚ ከምንጭዎ ዝኸኣለ ዓቕሚ ድማ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኣብ ዝጠቅም ሴክተር ክውዕል ምግባር ማለት እኮ እዩ:: ስለዝኾነ ድማ
1. ማእከላይ ኮሚቴ ናይ ሓደ ውድብ መበል 22ን ይኹን 45ን ከም ሓደ ኣካል ንክልተ ዓመት ነቲ ውድብ ዝመርሕ ኣካል እዩ እቲ ቅደም ተኸተል ኣብቲ ጉባኤተኛ ዝረኸብዎ ድምፂ የርኢ እዩ ኣብዚ ዘይከሓድ ተቐባልነት የርኢ እዩ ይኹን እምበር ብሕታዊ ናይ ዓቕሚ መርኣዪ ተገይሩ ግን ኣይውሰድን:: እቲ ዋና ጉዳይ ነታ ዓዲን ነታ ውድብን ንምጥቃም እንተ ኾይኑ ግን እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ይኹን ፖሊት ቢሮ ከም ሓደ ኣካል ወሲድካ ኣብ ስርሑ ንዝህሉ ዓወትን ውድቀትን ከም ኣክል ምግምጋም ነኒውልቁ ዝብፅሖ ድማ ብውልቁ ከልዕል ምግባር እዩ ምኽንያቱ ውዳበ ሓይሊ ስለዝኾነ::
2. ኣብ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል እዃ እዛ ሃገር (ብዛዕባ ትግራይን ኢትዮጵያን ንዛረብ እንተሃሊና) ኣይትሕመን ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል እኮ ዝሰርሐ ክንዲ ዝሰርሖ ልክዕ ክረክብ ኣለዎ ማለት እምበር ካብ ሃፍታም ነጢቕካ ንድኻ ምሃብ ኣይኮነን:: ኩሎም ብነፃነት ክሰርሑ ምግባር ብዘእተውዎ ልክዕ ድማ ተጠቀምቲ ይኾኑ:: ብሀገር ደረጃ ኩሉ ከከም እቶቱ ማዕረ ይግብር እቲ ዝተኣከበ ግብሪ ድማ ተመሊሱ ኩሎም ብማዕረ ኣብ ዝጥቀሙሉ መሰረተ-ልምዓት ምሰራሕ ይውዕል:: በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ዝተሰርሑ መንገዲታት፣ ሆስፒታላት፣ ቤት ትምህርቲ፣ መብራህቲን ካልኦትን (ካብኡ ንላዕሊ ክስራሕ ይኽእል ምንባሩ ግን ክርገፀሉ ዘለዎ እዩ)
3. እቲ ፅሑፍ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቶም ሽግራት ክሰፍሕ ኔርዎ ዝብል ትኽክል እዩ:: እቲ ፀሓፋይ ክሓልፍ ዝደለዮ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ ኩላትና በቢዘለናዮ ዝሰማዕናዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርግፀኛነት እንኣምነሉን መረዳእታ እንረኽበሉን ኣብ መሬት ዘሎን ነቕርብ እሞ ግቡእና ንፈፅም::
ኣይተ ዮናስ ብስሩ ዲሞክራሲ 50+1 ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ድማ ብመሰረቱ ባዕልኻ ዘፍረኻዮ ንባዕልኻ ትጥቀመሉ ኮይኑ እቲ ናይታ ሀገር ኢኮኖሚ ከምንጭዎ ዝኸኣለ ዓቕሚ ድማ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኣብ ዝጠቅም ሴክተር ክውዕል ምግባር ማለት እኮ እዩ:: ስለዝኾነ ድማ
1. ማእከላይ ኮሚቴ ናይ ሓደ ውድብ መበል 22ን ይኹን 45ን ከም ሓደ ኣካል ንክልተ ዓመት ነቲ ውድብ ዝመርሕ ኣካል እዩ እቲ ቅደም ተኸተል ኣብቲ ጉባኤተኛ ዝረኸብዎ ድምፂ የርኢ እዩ ኣብዚ ዘይከሓድ ተቐባልነት የርኢ እዩ ይኹን እምበር ብሕታዊ ናይ ዓቕሚ መርኣዪ ተገይሩ ግን ኣይውሰድን:: እቲ ዋና ጉዳይ ነታ ዓዲን ነታ ውድብን ንምጥቃም እንተ ኾይኑ ግን እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ይኹን ፖሊት ቢሮ ከም ሓደ ኣካል ወሲድካ ኣብ ስርሑ ንዝህሉ ዓወትን ውድቀትን ከም ኣክል ምግምጋም ነኒውልቁ ዝብፅሖ ድማ ብውልቁ ከልዕል ምግባር እዩ ምኽንያቱ ውዳበ ሓይሊ ስለዝኾነ::
2. ኣብ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል እዃ እዛ ሃገር (ብዛዕባ ትግራይን ኢትዮጵያን ንዛረብ እንተሃሊና) ኣይትሕመን ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል እኮ ዝሰርሐ ክንዲ ዝሰርሖ ልክዕ ክረክብ ኣለዎ ማለት እምበር ካብ ሃፍታም ነጢቕካ ንድኻ ምሃብ ኣይኮነን:: ኩሎም ብነፃነት ክሰርሑ ምግባር ብዘእተውዎ ልክዕ ድማ ተጠቀምቲ ይኾኑ:: ብሀገር ደረጃ ኩሉ ከከም እቶቱ ማዕረ ይግብር እቲ ዝተኣከበ ግብሪ ድማ ተመሊሱ ኩሎም ብማዕረ ኣብ ዝጥቀሙሉ መሰረተ-ልምዓት ምሰራሕ ይውዕል:: በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ዝተሰርሑ መንገዲታት፣ ሆስፒታላት፣ ቤት ትምህርቲ፣ መብራህቲን ካልኦትን (ካብኡ ንላዕሊ ክስራሕ ይኽእል ምንባሩ ግን ክርገፀሉ ዘለዎ እዩ)
3. እቲ ፅሑፍ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቶም ሽግራት ክሰፍሕ ኔርዎ ዝብል ትኽክል እዩ:: እቲ ፀሓፋይ ክሓልፍ ዝደለዮ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ ኩላትና በቢዘለናዮ ዝሰማዕናዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርግፀኛነት እንኣምነሉን መረዳእታ እንረኽበሉን ኣብ መሬት ዘሎን ነቕርብ እሞ ግቡእና ንፈፅም::
Participants of the congress voted and expressed their dissatisfaction both in words and through their voting cards,it couldn’t be any clearer. The author of the above recycled propaganda is trying to tell us that it is irrelevant wether you pass the vote of confidence of the members or not,there is this secret system that knows all. If I were Abay Wouldu (22nd) or Kidusan Nega(44th) I would simply resign.
ዳሓን ፅሑፍ እዩ! ግን ሐዚ እቲ ቃልሲ ስሙ ንክበላሾ ዝገብሩ ግዕዙያት/ሙሰኛታት / ኣብያተ ዕዮ መንቲን ብዘመድ አዝማድ ዝ ግ በሩ ሽመትትን ዳልዋን ዘርአዊነትን ከመይ ዘይተዳህሰሰ ?