ድርቂ 77 ታሪክ ዝገበረ ህዝቢ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ውፅኢት ቃልሲ ዝኾነ ልምዓትን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ይረጋገፅ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እታ ዞባ ገሊፁ፡፡Famine 1984

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ተካ መንገሻ ንማህደረ ዜና ድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝበልዎ ብሰንኪ ዋርድያ ድክነትን ድሕረትን ከምኡ’ውን ጨፍጫፊ ፓሊሲ ስርዓት ደርግን ቅድሚ 30 ዓመታት ንዓለም ዝገረመ ድርቂ ዝተርኣየሉ ዞባ ደቡብ ኣብዚ ሓዚ እዋን ብመሪሕ ውድብ ህወሓትን መንግስትን ብዝተሓንፀፁ መደባት ልምዓት ተጠቃምነት ሕብረተሰብ እናተረጋገፀ’ዩ፡፡

ኣብዚ ሓዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ሓረስቶት በቲ ዝወፁ ፓሊስን ስትራተጅን መሰረት መፍረያይነት ኣብ ምዕባይ፣ልምዓት መስኖ ኣብ ምግፋሕን ዝለዓለ ስራሕ እናተሰርሓ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ተካ መንእሰይ ድማ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ፣መቖሎ ገቦን ጉህምን እናተዋፈሩ ውፅኢታዊ ስራሕ ብምስራሕ ተረባሕቲ እቲ ስሉጥ ልምዓት ይኾኑ ከምዘለው ሓቢሮም፡፡

ብሓፈሻ ኩለመዳይ ተጠቃምነት ህዝቢ ዘረጋግፁ መደባት ልምዓት እናተረጋገፀ እዩ ዝበሉ ኣይተ ተካ መንገሻ ብቐፃሊ እውን ንፁር ዕላማን ስትራተጅን ዝሓዙ ውድብን መንግስትን ብዝሓንፀፅዎ ስራሕቲ ልምዓት ህዝቢ ዝደልዩ ስሉጥን ፍትሓውን ልምዓት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡

*******
Source: DmtsiWeyane

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories