ብስራትን መርድእን (ሓጻር ዛንታ)

(ክብሮም ኣብርሃ (ሳብያን) – [email protected])

ካብ ገዛይ ወጺአ ነታ ጸባብ መገዲ ወዲአ ፊት ሓውዜን ኣደባባይ እንትበጽሕ ዝባነይ ፎኸሰኒ::ኣብ ሰማይ እቲ ኣደባባይ ጸሓይ ንበይና ዝበረቐት እያ ትመስል::ቀትሪ ማዕጾን መሻኹተንን ተጋሕጊሑ ዝወዓላ ቤት ንግድታት፤ ስባር እምባ ብዝኣኽሉ ገንኢ ቁልፍታት ተሸንኪሮም እዮም::ኣብ ዙሪያ እቲ ኣደባባይ ክውሕዝ ዝወዓለ ፍጥረት፡ ሕዚ ብዘይምህላዉ፤ እቲ ጽርጊያ ኣዝዩ ገፊሑ ይርአ::ብዘይካ ኣብ ሕቕኦፎም ብስልጣንያ ጥጥቖን ቃሎን ዘዝሩ ዕሸላት;በርቲዑ ኣብ ዓይኒ ዝኣቱ ዝንቀሳቐስ ሰብ የለን:: ሐሓሊፉ መኻይን እናተወናጨፋ ይመሓለፋ::ቀትሪ ንዝጸበቦም ጎደና መቐለ ከምድልየተን ክዕንድራሉ ዝሃንፈፋ ይመስላ::

* * *

ሰዓተይ ርኣኹ – ሰዓት ኣርባዕተ ሓሊፉ እዩ::እናተሃንፈጽኩ ነቲ ኣደባባይ ተሳጊረ ሓንቲ ጸባብ ጽርጊያ ምስሓዝኩ ንጸጋም ተጠውየ ንሓደ ማዕጾ ደፊአ ህሩግ በልኩ::ኣብቲ ማዕዶ ኩርናዕ፤ መተዓቢተይን ዓርከይን ካሕሱ…በአእዳዉ ሓንቲ ጎርዞ እናደረዘ;ናብኣ ተስሒቡ፡ ኣብ እዝና ለጊቡ እንተውግዕ ርኣኽዎ-ንሱ ኣይርኣየንን:: ማህሌት ኣብ ማእኸል እቲ ባር፡ ምስ ሓደ መንእሰይ እንዳሰሓቐት ርኣኽዋ::እንተትርእየኒ ስንባድኣ ተዓዘብኩ:: ብበዝሒ ዕቅኑ ኣብዘይልለ ሙዚቓ፤ እናተደጋገፉ ዝለሃዩ ተኣናገድቲ ዕቅብ ዝሃፍፍ ቀይሕ ትኪ ይመስሉ::ኣብ ደገ ሰጊረዮ ዝመጻእኽዎ ዓለም ምውት ክሳብ ዝመስለኒ ጋሻ ስምዒት ኣተወኒ፡፡ ኣመጻጽኣይ ኣብ ባሕሪ እዚ ዓለም ክሕምብስ እዩ::ንዘበናት ኣብ ዙሪያይ ንዝዃነኽዎ ሓጹር ኣፍሪሰ ክጥሕሶ ግድን ኮነኒ::ብመንጎ እቶም ተለሃይቲ እናሸሎኽኩ ኣብ ቅድሚ ካሕሱ ጠጠው በልኩ::ካሕሱ እንትሪአኒ ተጠራጢሩ አዒንቱ እናኸደነ@መሊሱ ኸፊቱ እናደረዘን ምስኣረጋገጸ ነቲ ወንበር ስሒቡለይ ኮፍ በልኩ:: Kibrom Abraha - Sabian

* * *

“ኣብርሽ ብኣማን ድዩ?” በለኒ@ሓደ ኢዱ ኣብ እንግድዐይ አዕሪፉ፡ በቲ ካልእ ንዝተቓለዐ ዕባን እታ ጎርዞ እናናደራረዘ-ካሕሱ ዝምክሐሉ ዓርከይ እዩ::መፍትሒ ንዝሰኣንኩሎም ጸገማተይ ፤ ኣብኡ ከይደ የተንፍሶም:: ካባይ ብዝሓሸ ንህይወት ኣዕሙቚ ስለዘስተውዕል ጸገም ኢለ ንዝነግሮ ኹሉ- ተራ ገይሩ ኣቕሊለ ከተኣናግዶም ይገብረኒ::

ብዘይልሙድ ካብ ገዛይ ሃዲመ ንኽወጽእ ንዝገበረኒ ጭቕጭቕ ወለደይ ብዙሕ እዋን ብኻልእ መንጽር ክሪኦ እንተመኸረኒ እውን፤ ሎሚ ካብ ዓቕመይ ብላዕሊ ብምዃኑ፡ ካብ ገዛይ ተልዒለ ናብቲ ትርጉም ዝስእነሉ ዓለም ክሕወስ ገይሩኒ:: ኣብ ‘ፐብ’ ሮዚና፤ ምስ ካሕሱ ካብ ስራሕ ምስወጻእና፤ ኣጋምሸት ንሱ ንዘውግሐሉ ቢራ እንትዓትር፡ ኣነ ቡን እንዳሰተኹ ተጻዊትና ቅድሚ ሰዓት ኽልተ ተሰናቢተዮ ናብ ገዛይ ይኽተት::ንወላዲተይ ብግዘ መእታው ስለዘልመድክዋን፡ በዚ እውን ሕጉስቲ ብምዃና ዘይተዓናቐፍ ሓደ ዑደት ህይወት ገይረዮ ነይረ::

“ኣብ ደገ ከዘራርበካ;!” ኢለ ኣብ እዝኑ ተጸጊአ ነጊረ ተታሒዝና ወጻእና::እንትወጽእ ኣብ ዝቐይሐ ጻዕዳ ገጽ ማህሌት ሕርቃን ተዓዘብኩ::ቅድሚ ወርሒ ምስ ማህሌት’ ካሕሱ እንተፋልጠና ሰብነተይ ሓደ ስምዒት እንትወረኒ ተሰሚዑኒ::ኣዝያ ዕሸል ስለዝኾነት ስለዝሓዘንኩላ መሲሉኒ ነይሩ:: ድሕሪ ባይታ ህይወታ እንተይፈለጥኩ ክሓዝነላ ዝገበረኒ ብዘይካ ፍቕሪ ካልእ ክኸውን ከምዘይኽእል& ካሕሱ ርግጸኛ ኾይኑ እንትነግረኒ፡-

“በል እንተይሓሰብኩ ክፈትዋ ኣይትግበረኒ” ኢለዮ ነይረ::ኩልሻብ ኣጋምሸት ምሳና ኮፍ ኢላ እንዳተጻወትት፤ ክሰናበቶም እንትለዓል ኣጥቢቓ ትልምነኒ እያ::ብናተይን ካሕሱን ክትዕ ስለትዘናጋዕ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ፡: ካሕሱ ግና ከምዝፈተወትኒ ርግጸኛ ኾይኑ ኣሎ::ቅድም ሃንደበት ምምጽአይ ንዓኣ ኣለሻ ስለዝመሰላ እንተተደመመት እኳ፤ ሕዚ ግና ንካሕሱ ሒዘዮ እንትወጽእ ንህጹጽ ዛዕባ መጺአ ከምዝምለስ ደምዲማ ከምዝሓረቐት ገመትኩ::ሕዝ ግና ኣይተሕዝነንን’ክሪኣ እንከለኹ ደስ ዝብል ስምዒት እምበር::’ሓልዮት ድሮ ፍቕሪ እዩ’ በልኩ ንባዕለይ::

“ካሕሱ ካብ ዓቕመይ ብላዕሊ እዩ::ሎሚ-ጽባሕ ባህሪኡ ዝመሓየሽ እንዳመሰለኒ ተዓጊሰዮ’መኺረዮ:: ሎምዓንቲ ምሸት ግና ንሰሙን ካብ ዝጸንሖ መገሻ እንትመጽእ፤ ከፈራርሓ ኣምስዩ…ወላዲተይ እንትትበኪ ኣየኽኣለንን:: ወጺአ ኸዓ መጺአ…” ኢለ እንትነግሮ ኣመናጎኒ…

“ኣይትዘንግዕ ’ፍቕሪ ኣብ ዘለዎ ቅንኢ ኣሎ’…” ኢሉ እንተይወደአ …

“ካሕሱ& ብዙሕ እዋን ንዘንበብካዮም ኩሎም ዝገጥሙ ኣብ ወድዓዊ ዓለም ትረክብ እናመሰለካ…ክትፈላሰፍ ኣይትፈትን::ነቲ ሓቂ እናፈለጥካዮ ኣይትህደሞ…” በልክዎ::

ብናቱ እምነት ’ፍቕርን ቅንእን ኣይፈላለዩን’@ ኣቦይ ንወላዲተይ ምጥርጣሩ ካብ ፍቕሪ ዝተበገሰ ንምዃኑ ከእምነኒ ይፍትን::ኣነ ከምዝርድኣኒ ግና ወላዲተይ’ውን ነቦይ ኣዚያ’ያ ትፎትዎ ግና ኣይትጥርጥሮን @ ከምኡ መሰረት ካብዘይብሉ ተልዒላ ኣብ ጎይቒ ኣይትኣቱን::

“ርኢኻ ደቂ ኣንስትዮ…እንተቐንኣ እውን ብዛዕባ እዚ ምስበዓልቤተን ብግልጺ ክዘራረባ…ጥርጣርአን ክገልጻ ግቡአን ዘይምዃኑን… እዚ ነቶም ሰብኡት ጥራሕ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ንባዕለን ስለዘእምና እዩ” ኢሉ ብዙሕ እዋን ረቲዑኒ እዩ::

ሎምዓንቲ… “ ‘ዘይፈልጥ ከይመስለኪ…በቢመዓልቱ ነዚ መረባ መን ከምዝረግጽ በጺሐዮ እየ’ እንዳበለ እንትጭቕጭቓ ብምስምዐይ ትዕግስቲ ስኢነ- ተዛሪበዮ“ በልክዎ::

ካሕሱ ብስምባደ ርእሱ ሒዙ፡ አዒንቱ ኣግፊሑ ኣፍጠጠ::ኣብ መንጎ ዛዕባ ወለደይ ክኣቱ ከምዘይብለይ፤ ኣብዚሑ ኣጠንቂቑኒ እዩ ነይሩ::ብዙሕ እዋን ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ኣብ ክትዕ እንትኣትዉ ብፍላይ ኣወዳት ደቆም እንትጽንበሩ ነቲ ጸገም ካብ ምፍታሕ ከምዘበኣእሶ ይነግረኒ እዩ::

“ኣብርሃም ዓቢ ጌጋ…ንምዃኑ እንታይ ተዛሪብካዮም;!” ኢሉ በጻብዕቱ ግንባሩ እናደረዘ ጸኒሑ ነቲ መንድቕ ‘ፐብ‘ ብዝጨበጦ ኢዱ የዕምሱ::ኣፋፍኖት እቲ ሙዚቓ፤ ሰተይቲ እንትኣትዉን እንትወጹን እናዓምበረ ነቲ ዘረባና የመናጉዮ…

“…እንታይ ዝብሎ ይመስለካ;! ‘ንስኻ ኢኻ ኣብ ድሌትካ ቀኒኻ ክትመጽእ፡ ክትጥርጠር ዝነበረካ… ኣደዋይ እማ እምንቲ እያ’… ” ኢለ እንተይወዳእኹ…

“እርግጠኛ እየ ’ካብዚ ጥፋእ …ዓይንኻ ከይሪኦ ’ ከምዝበለካ” በለኒ ብሓውሲ ሕቶ፡፡

“እወ…ኣብ ውልቂ መደቀሲ ኽፍለይ ኣትየ ዋላ እንተተቐመጥኩ ጭቕጭቖም ስለዘየቖመ ካብቲ መረባ ክሃድም ደለኹ፡ እንትዝክር ንስኻ ኣብዚ ስለተምሲ እናተሃንፈጽኩ ወጺአ መጻእኹ…” ነዚ ኹሉ እንትነግሮ ንሽክና ርእሱ ኣሽሓት ግዘ ይኸውን እንትውዝውዝ…ብዝገበርክዎ ምሕዛኑ ንምግላጽ፡፡

“ሎምዓንቲ ምሳይ ኣብ ገዛ ክትሓድር ኢኻ…ነገራት ምትዕርራዮም ምስ ኣረጋገጽና መፍትሒ ክንገብረሎም ኢና፡፡” ኢሉ እናጎተተኒ ናብቲ ‘ፐብ‘ ተመሊስና ኣተና፡፡

* * *

ድሕሪ ሰሙን ሓደ ወጋሕታ ካብ ምድቃሰይ ኣርፊደ ነቓሕኩ፡፡ ኣብ ዝባነይ ንዝተኾመረ ኮበርታ ብዓቕሊ ጽበት ናብ ሓደ ጸግዒ እቲ ዓራት ሸንደኽዎ፡፡ ‘ወጋሕታ’-እቲ ቃል ካብ ዝህቦ ትርጉም ተጻራሪ ትርጉም እዩ ዝህበኒ፡፡ እንትወግሕ ይሓርቕ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን ምሸት-ምሸት ምስ ካሕሱን ማህሌትን እንዳ መሸታ እንዳሰተኹ ኣምስየ ጓሓት እንትልዓል ንባዕለይ ምጽላእ ምጅማረይ ጋሻ ስምዒት እዩ፡፡

ዝጥበስ እንቋቚሖ ነፍንጫይ ዳህሲሱ ሓለፈ … ማህሌት ኣብቲ ስቶቭ ኣብ ዘቕመጠቶ መጥበሲ እንተገላብጦ ርኣኽዋ፡፡ ቀዲማ ተሲኣ ቁርሲ እናኸሸነት እያ፡፡

“ኣብርሽ…ሰዓት መእተዊ ስራሕካ በጺሑ ኣሎ፤ ቁርሲ እውን ድልዊ!”ኢላ ብፍሽኽታ ዘይራ ምስጠመተትኒ ኣብ ዕዮኣ ተጸምደት፡፡

ማህሌት…ቅድም ሕዚ ኣብ ካሊእ ፕላኔት ተፋሊጥና፡ኣብ ሰማያት ተጠፋፊእና ጸኒሕና ደጊመ ዝረኸብክዋ ፍጥረት ትመስለኒ፡፡ ከምኡ ተዘይኮይኑ፤ ብኸመይ ሰሙን ምሉእ ካብ ስራሕ ወጺአ ኣብ ገዝኣ እንተዕቅል ኣብ ዝተፈልየ ዓለም ዘለኹ ከይመስለኒ ከኣለ;!

ወለደይ ክልቲኦም ጸሊኦምኒ- ከምኡ እየ ኣነ ዝሓስብ፡፡ ኣቦይ “ገጽካ ከይርኢ፡ ንስኻ ዲኻ ንዓይ ትመኽረኒ;!”ኢሉ ጽባሕ እቲ ሃንደበት ካብ ገዛ ወጺአ ዝሓደርኩሉ ምሸት እንትዛረበኒ፤ ወላዲተይ እውን “ወደይ ነቦኻ ኣይትፈልጦን…ዝነቕዐ ቅሳነተይ የመና ክገፍሕ ጌርካዮ- ንዓይ ግደፈኒ ” ኢላ እንትትዛረበኒ ናበይ ከምዝኸይድ እንተይፈለጥኩ እየ ዝወጻእኹ፡፡

ማህሌት ናብ ዘላቶ ፐብ ኣጋግዘ እንትህሮግ ኣብ ገጻ ዘለዉ ጀማውቲ ብሓጎስ እንትዕንድራ ተዓዘብኩ፡፡ ካብ ስድራይ ዝሰኣንክዎ ቅሳነትን ፍቕርን ካብኣ ጥራሕ ከምዝረክብ ቃል ዝኣተወትለይ ስለዝመሰለኒ ንዝገጠመኒ ኹሉ ዛሕዛሕኹላ፡፡ ናይ ጸገማት ፍልፍላትን መብጽሒኦምን ትንታነ ክትህበኒ ኣይክኣለትን-ንሳ ካሕሱ ኣይኮነትን፡፡ ግና አዒንታ ካባይ ከየልዐለት ልባን እዝናን ኣርሒዋ እተዳምጸኒ ሰላመይ ከምዝረኸብኩ ርግጸኛ ኮይነ- ፈተኽዋ፡፡ ሽዑ እየ ፍቕሪ ቅሳነት ስኢኖም ብስንባደ ዝሃደሙ ልብታት መዕቐሊ ምዃኑ ዝፈለጥኩ፡፡

* * *

ካሕሱ ንዓይን ወለደይን ንምትዕራቕ ናብ ስድራይ ምምልላሱ ኣየቋረጸን፡፡ ኣነ ግና ቀትሪ ኣብ ስራሕ፤ ምሸት ምስ ክልቲኦም ኣብ መስተ፤ ለይቲ ድማ ንማህሌት ሓቚፈ ኣብ ገዝኣ ምሕዳር ተስማሚዑኒ ኣሎ፡፡

ካብ ዓራት ንዓርሰይ ኣጨኪነ ወረድኩ፡፡ ድሕሪ ማህሌት ጠጠው ኢለ ነቲ ገጻ ዝሸፈኖ ጨጉራ ናብ ሓደ ወገን ኣኪበ ኣብ ሱር እዝና ሰዓምክዋ፡፡ርእሳ ናባይ ኣዘንቢላ መለሰትለይ፡፡ ናብቲ ክፍሊ መተሓጻጸቢ ኣምራሕኹ፡፡ ህይወታ ብዙሕ ዘይተመለሱለይ ምሽጥራት ዝሓቖፈ እዩ፡፡ ስቕትኣ ክንዲ እቲ ትህበኒ ፍቕራ ዝዓሞቐ እዩ፡፡ ነዚ ዝተማልአ መንበሪ ከመይ ክትምስርቶ ከምዝክኣለት እንትሓታ ኣይትፈቱን፡፡ ካሕሱ እውን ዝፈልጦ ነገር የለን፡፡

ተተኣናግደሉ ፐብ ኣታዊኡ ነዚ ከምዘይተርፍ ርግጸኛ እየ፡፡ ጥርጣረይ ግና- ሓደ ንዓይ ክትነግረኒ ዘይደለየቶ ሰብ ኣብ ህይወታ ከምዝህሊ እዩ፡፡ ኣበርቲዐ ግና ጥርጣረይ ክመቕላ ኣይክኣልኩን፡፡ ከምኡ ተገይረማ ‘ወዲ-ኣቦይ’ ምዃነይ እንዶ…

ብሱሩ እባ ምስ ናታ ባህርይ ኣብ ዘይጥዕም ስራሕ ምውዓላ ካልእ ሕቶይ እዩ፡፡ንሳ-ልክዕ ከም ባዕላ ስቕ ዝበለ ከባቢ፡ ዝረግኡ ሰባት….ኣብዚኦም፡ ምስዚኦም ምውዓልን ምውጋዕን እዩ ድልየታ፡፡ ግና ፐብ ሮዚና ናይዚ ግልባጥ እዩ፡፡ ሓደ ምሸት ነዚ እንተልዕለላ…

“ዋዐውዋዕታ ኣብ ውሻጥኡ ስቕታ ክሻብ ዝሓቖፈ ስቕ ዝበለ እዩ፡፡ ከም ናትካ ስድራ ውሽጡ ተኸዲኑ፡ ተብላዕሊዑ ዝፍንድእ፤ ድምጹ ክዓ ኣጽሚሙን ኣህዲሙ ናብ ከምዚ ዝበለ ዓለም ዘጥሕለካ እውን ኣሎ፡፡ካብ ክልቲኡ ሓደ ምምራጽ ናትካ እዩ፡፡” ኢላትኒ ነይራ፡፡

ናይ ምዝራብ ክእለታ- ብስቕታ ኣብ ተሕልፎም መብዛሕትኡ ግዝኣ ኣብ ውሽጣ ትስንክቶ ምዃኑ የእምነኒ፡፡

* * *

ካሕሱ መጺኡ ብሓባር ቆሪስና ናብ ስራሕና ተጻደፍና፡፡ ህይወተይ ብሓዱሽ ምዕራፍ ዝተዓጅበት ካብ ትኾን፤ ንባዕለይ ካልእ ፍጡር ገይረ ምሕሳብ ጀሚረ ኣለኹ፡፡ ዓርሰይ ክኢለ ዝውስን ብቑዕ ሰብ ምèነይ ኣረጋገጽኩ፡፡ ንወለደይ ብሕቲ ውላዶም ብምèነይ ካብ ሕOፎም ርሒቐ ምኻድ ከም ሓጥያት እናቆጸርኩ ካብቲ ወድዓዊ ዓለም ተወሲነ ክነብር ኣገዲዱኒ ጸኒሑ- እቲ ግ@ይ ውሳነይ፡፡ ኣብ ውሽጢ ውሳነይ ግና ኣነ ንዓቶም ብሕቲ እምበር፤ ኣቦይ ንወላዲተይ፡ ንሳ እውን ንዕኡ ብሕቲ ከምዘይኮኑ ዘጋውሑ ዝተለመዱ ክትዓት ኣጽሚሞምኒ- ኣሀኪዮምኒ፡፡ነዚኦም ምትዕርራይ ዋኒነይ ዘይምèኑ ክልቲኦም ኣረጋጊጾምለይ፤ ርሒቐ ከዓ ኣብ ናይ ባዕለይ ዓለም ክሕምብስ ጀሚረ፡፡

* * *

ኣብቲ መዓልቲ ቀትሪ- ነታ ኣብ ዝባንና ብእቶን ዝመኸኸ ሓጺን ተፍስስ ትመስል ጸሓይ እንሃደምና ናብ ሓደ ዓሚል ቤት ብልዒ ኣምራሕና፡፡ ቁርስን ድራርን እምበር ኣብ ደገ እየ ዝመስሕ-ማህሌት ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ ፐብ ብስራሕ ስለትጽመድ፡፡

ንናይ ሮማናት ጽርጊያ ቅድሚ ምስጋርና፤ ናይ ኣቦይ ቶዮታ ኮሮላ ኣåረጸትና፡፡ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ስለዝነበርና ኣብ ጋቤና ዝተቐምጠት ማህሌት ምèና ኣይተጠራጠርኩን፡፡ ግና ምስ ኣቦይ ምèና ኣጠራጠረኒ፡፡ብስንባደ ዝተኸፍተ ኣፈይ ሒዘ ካብ ዝተገተርክዎ ማእኸል እቲ መገዲ፡ ካሕሱ እናጎተተ ናብ ጸግዒ ዘስገረኒ፤ ብፀጋመይ መገዲ ምሕላፍ ዝኸላእኽወን መኻይን ብክላክ ድምጸን እንተእውያ እዩ፡፡

ኣዒንተይ ቁልቁል ናብ ኣንፈት ኣብርሃ ካስል ሆቴል ንዘምርሐት መኪና ኣቦይ ኣቋመታ፡፡ ካሕሱ እውን ነቲ ኹነት ብምዕዛቡ ዝተረበሸ ምèኑ ፈለጥኩ፡፡ ሓደ ኮንትራት ታኽሲ ጠጠው ኣቢለ ህሩግ እንትብል ንሱ እውን ሰዓበኒ፡፡

* * *

ኣብ ብራንዳ ሆቴል ኣብርሃ ካስል፤ ወናብሮም ኣብ ጫፍ እቲ ሰገነት ኣጸጊዖም ቁልቁል ንከተማ መቐለ እናጠመቱ… ጎኒ ንጎኒ ተቐሚጦም እዮም፡፡ ሕOኦም ንዓና ብምሃቦም ንሳቶም ኣይርእዩናን ዘለዉ፡፡ንሓደ oርናዕ መንድቕ እቲ ሆቴል ተጸጊዕና ተቐመጥና፡፡

“ክመልሰኩም ድየ…ክጽበ?”…እቲ ሒዙና ዝመጸ በዓል ላዳ ታኽሲ እዩ ነይሩ፤ ካብ ዝጠሓልክዎ ስንባደ ዘሞናገየኒ፡፡ ካብ ቦርሳይ ኣውጺአ ኸፈልክዎ፡፡ ካብ ሮማናት እግሪ-እግሪ እናተኸተልና እንትንመጽእ፤ ብናሽናል ጂኦግራፊ ዝርኣዩ ፊልሚ ሃዳንን ተሃዳንን እንስሳ ዘገዳም ከመንመስል ገመትኩ፡፡

ኣቦይ ዕድምኡ ኣብ ክሊ ኣርብዓታት እዩ፤ ማህሌት ድማ ዕስራታት፡፡ከም ሓደ ሓደ ርኹባት ፡ ሃፍቶም ተበሊጾም ምስ ዝወልድዎም ዕሸላት ዝብዕልጉ ሰብኡት ነቦይ ክጥርጥሮ ኣይኽእልን ወይ ከዓ ኣይደልን፡፡ ሕዚ ዝሪኦ ግና ነዚ ዘፍሽል እዩ፡፡ከምኡ ተዘይኮይኑ ናብዚ ጸው ዝበለ፤ ኣብ መንጎ ዝተስተኻኸሉ ኦማት ጽሕዲ ብኸመይ ተጸጋጊዖም ኮፍ ክብሉ ከኣሉ?!

ሕንቅሕቅሊተይ ህይወት ማህሌት በሪሁለይ፡፡ ኣቦይ ንናታ ህይወት መሰረት እዩ፡፡ ንሳ ከዓ ሓሪቑ ንዝመጸ ሰብነቱ ተዝሕለሉ፤ድልየቱ ክገብር ትፈቕደሉ፡፡ ሕልናይ ነዚኦም ዝመስሉ ብዙሓት ሓሳባት ኣመላለሰ፡፡

“ዋይ ኣቲ ዓለም…ውሻጠኺ ክንደይ ብዙሕ እዩ?!”…ኢለ ንርእሰይ ንድሕሪት ኣብቲ መንድቕ እንተጋጭዎ፤ ካሕሱ ብስንባደ አእዳዉ ኣብ እንግድዐይ አዕሪፉ ገጹ ናባይ ኣዞረ፡፡ ካብ ዝፈልጦ ጀሚረ ኣብ ገጹ ከምሎሚ ዝተሓናፈጸ ስምዒት ኣንቢበሉ ኣይፈልጥን፡፡ ከምቲ ልሙድ ኣቕሊሉ ክሪኦ እናፈተነ፡ መሊሱ ከዓ ምእማን ዝሰኣነሉ ምèኑ ተረዳእኹ፡፡ ኣብ መንጎ ዝተሓላለኹ መንገድታት፤ ነቲ ቅኑዕ ከምዝመሚ ብርግጸኝነት ዛተኣማመነሉ ዓርከይ ኣይነበረን፡፡ምናልባች ንኹሉ ነገር ደረት ስለዘለዎ ዶ ይኾን?! ናቱ ብርትዐ እውን ብድኽመት ኣቦይን ማህሌትን እንተተናጊዑ፤ክሕደት ክልቲኦም ይቕረይ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡

* * *

ሃንደበት…ተልዒሉ ናብኣቶም እንተምርሕ ረኣኽዎ- ክስዕቦ ኣይፈተንኩን፡፡ ብኽንድኡ ንባዕለይ፤ በቲ ኩርናዕ መንድቕ ምሉእ ብሙሉእ ከወልኩ፡፡ ድሕሪ ውሑዳት ደቓይቕ ተመሊሱ እንትመጽእ፤ ዕቅብ ዝጥምቶ ዝንቅጥቀጥ ኣፉ….

“ብስራትን መርድእን ሒዘልካ መጺአ ኣለኹ…” በለኒ

“ፈለማ እቲ መርድእ …!”በልክዎ፡፡ ንዝኸበበኒ ሃለዋት ስንባደን ሕርቃንን ንምርግጋጽ ነቲ መርድእ ቅድም ንክሰምዕ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት መሰለኒ፡፡

“ሓፍትኻ እያ” ነተን ቃላት እንትዛረበን እናተኸታተላ ዝተተኮሳ ዓረራት መሰላኒ፡፡ ኣብ አእዛነይ ዘእውዩ እኽብካብ ድምጽታት በርቲዖምኒ፤ ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ፍጥረታት ሕብርን ድምጽን ዘይብሎም ክሳብ ዝመስለኒ ጽምዋ ኸበበኒ፡፡ ዝወዛወዙ ጨናፍር እቶም ኣግራባት፡ ስዳሮ መተኣናገድቲ ጠጠው ዝበሉ መሰለኒ፡፡

ካብ ርሑቕ ከምዘጋውሕ ነጎዳ ጥራሕ…

“ጓል ኣቦኻ”…ዝብል ድምጺ ካሕሱ ይስምዓኒ፡፡

* * *

ኣጋ ምሸት ምዃኑ ዘረጋገጽኩ፤ ብመስትያት መሽኮቲ እንዳ ማህሌት ናብ ደገ ኣስጊረ እንተማዕዱ እዩ፡፡ ካሕሱ ኣብ ጥቓይ ኣብቲ ወንበር ኮፍ ኢሉ ብርጭቆ ዓቲሩ ውስኪ እንትጭልጥ፤ ኣብ መንጎና ስቕታ ነጊሱ ንነዊሕ ሰዓታት ከምዝተቐመጥና ዘከርኩ፡፡ ካብ ኣብርሃ ካስል እናተጓተትና ብደመነፍሲ ተጓዒዝና መጺእና ክሻብ ተቐሚጥና ንባዕልና እንረኽበሉ ነዋሕቲ ሰዓታት ኣየነዎት ኣብ ሕልናይ ከምዝተመላለሱ ብርግጸኝነት ኣይፈልጥን፡፡

ናይ ማህሌት ስልኪ እንትጽውዕ- ካሕሱ ኣልዒልዎ፡፡ ናይ ኣዒንቱ ቅይሒ፡ ደጋጊሙ ከምዝሰተየ ኣረጋገጹለይ፡፡ ነቲ ስልኪ ናብ እዝኑ አጸጊዑ ንዓይ ኣስጊሩ እንትጥምተኒ ፤ ኣብ ገጹ ዝተፈልየ ስምዒት ርኣኹ፡፡

ርእሱ ጥራሕ ብተደጋጋሚ ላዕልን ታሕትን እንትውዝውዝ፤ ገጹ ብፍሽኽታ እንትበርህ ሓደ ብስራት እናሰምዐ ከምዝኾነ ተረዳእኹ፡፡ ድሕሪ ማህሌት ፟ሓፍተይ ፟ ምዃን ግና እንታይ ብስራት ኣሎ? እቲ ብስራት ማህሌት ፈታዊት ኣቦይ ዘይምዃና ጥራሕ እዩ፡፡ እዚ እውን ግና ኣይረብሓንን፡፡

* * *

ማህሌት ህይወተይ ክትኸውን ሓሊመ ነይረ፡፡ ንጉድለተይ ክትመልኣለይ እትኽእል ንሳ ጥራሕ ምዃና ርግጸኛ ብምንባረይ፡፡ዝጎደለኒ…ስድራይ ጸንቂቖም ዝወሰድዎ ፍቕሪ እዩ ነይሩ፤ ነዚ ሂባትኒ…ኣቦይ ግና መንዚዑኒ፡፡ ዘለኒ ኣማራጺ ንኹሎም ገዲፈ ኣርሒቐ ምህዳም ጥራሕ እዩ፡፡

ካሕሱ ነቲ ስልኪ ሒዙ፡ ሕቚኡ ንዓይ ሂቡ ብዕሙቀት እንተውግዕ ብዛዕባ ውልቁ ምዃኑ ገመትኩ፡፡ ናብ ደገ ንኽወጽእ ነቲ ማዕጾ እንትኸፍት ጠጠው ምስዝበለት ማህሌት ተፋጠጥና፡፡

ክልቴና ዋላ ሓደ ምንቅስቓስ ኣይገበርናን፡፡ ሕሉፍ ብናጽነት ዝድህስሶ ኣካላታ፤ ሕዚ ብጎቦ ዓይነይ እውን ክሪኦ ትብዓት ስኣንኩ፡፡ ንሳ እውን ምድሪ እናጠመተት፤ ስጋ ዝለበሰት ሓወልቲ መሲላ ጠጠው በለት፡፡ ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ጠጠው ከምዝበልና ምግማት ኣይኽእልን፡፡

* * *

“ይመስገኖ…!” በለ ካሕሱ ብድሕሬና እናጎየየ መጺኡ፤ ንኽልቴና ሓቚፉ እንዳስዓመ፡፡

“ኣቦኻ እዩ፤ እቲ ታሪኽ ነዊሕ እዩ…ብሓጺሩ ግና … ማህሌት ሓፍትኻ ኣይኮነትን…ንዕኦም ግና ብሓደራ ዝተቐበልዋ ጓሎም እያ፡፡”

እቲ ዝዛረቦ ንኽልቴና ስለዘይበርሀ እዩ መሲሉኒ ዝተፈልየ ስምዒት ኣየንጸባረቕናን…ነዚ ከዓ ካሕሱ ብምርድኡ ዘረብኡ ቀፀለ፡፡

“ኣቦኻ ምስ ወላዲት ማህሌት ርክብ ነይርዎም…ወላዲታ፡ ኣብ ኢዶም ብሕርሲ እንትትዓርፍ፤ ሽዑ ጓል ክልተ ዓመት ንዝነበረት ማህሌት ከዕብዩ ይውስኑ…” ኢሉ ከይወደአ ኣቋረጽክዎ…

“ኦ…ኦ…ኦ…ጽንሓኒ፡፡ ርክብ ኣዲኣን ኣቦይን ኣብርሃለይ…” ኢለ ሓተትኽዎ፡፡ ቁሩብ ብጽምዋ ተጸሚዱ ምስ ጸንሐ…

“ዘይትፈልጦ ሓደ ምሽጥር ኣሎ…ጥሪት ወለድኻ ደረት ከምዘይብሉ ትፈልጥ ኢኻ፡፡ ዘይትፈልጦ ግና ወላዲትኻ ብድሕሬኻ ክወልዳ ከምዘይኽእላ ሓኪመን ክምዝነገረን እዩ፡፡ ስለዚ ኣቦኻ…” ድሕሪ እዙይ ከወድኦ ዓቕሊ ኣይነበረንን፡፡

* * *

ተወርዊረ መሓውረይ ኣብ ዙርያ ክሳድ ማህሌት ጠምጢመ ሰዓምክዋ…ንሳ እውን ኸምኡ፡፡ ካሕሱ ከዓ ብሓባር ንኽልቴና ናብ ሕቚፉ ኣእትዩ ተሓቋቀፍና፡፡ ብውሽጠይ ነቦይ ክንዲ ዝረገምክዎ…መረቕክዎ፡፡ ካልእ ሓው ክእልሸለይ እንትኸይድ ንዕኡ ብምስኣኑ፤ ፍቕረይ ካብ ባይታ ኣልዒሉ ሓብሒቡ ስለዘዕበየለይ፡፡ ግና ወላዲተይ ነዚ እንትስምዕ እንታይ ኾን ትብል?!ማህሌት ከ…ምኽንያት ሞት ወላዲታ እንትትሓስብ?! እንድዒ!! ብስራትን መርድእን ግና ብኸመይ ይሓብሩ?! ንሓዲኡ ጥዒሙ ዝስማዕ ብስራት፤ ኣብ መረበት ዘይተዓደሉ ደቅሰባት ዘጋውሕ መርድእ እዩ፡፡

ተ—ፈ—ፂ—ሙ

****

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories