ፓርቲ ዓረና ትግራይ – ኣባላተይ ተኣሲሮምኒ ኢሉ

ፓርቲ ዓረና ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማታት ኵሓን ኣይናለምን ህዝባዊ ኣኼባ ንምፅዋዕ ወፍሪ የካይዱ ዝነበሩ ኣባላተይ ንስዓታት ተኣሲሮምኒ ክብል ኸሲሱ።

ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ሓድነት/ኣይናለም ኣቶ ወለስላሰ ገ/ህይወት ዓረና ኣኼባ ከካይድ ዝፈተነ ፍቓድ ካብ ዝሓተቶዘ  ከባቢ ወፃኢ ስለዝኾነን ኣይናለም ኣካል ምምሕዳር እንደርታ ከይኮነትስ ኣካል ከተማ መቐለ ስለዝኾነን ፖሊስ  ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ነገር ስለዘይነበሮ እቲ ኣኼባ ንዘዋደዱ ክሓትትን ክከታተልን ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቱ‘ዩ ኢሎም።

ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ትግራይ ዘምኣኑኤል ለገሰ እቲ ዝተብሃለ ጥርዓን ኣብ ፌስ ቡክ ተፃሒፉ ከምዝርኣዩዎን ናብኦም መፂኡ ዝጠርዐ ይኹን ዘመለከተ ኣካል ግን ከምዘየለን ሓቢሮም።ብዛዕባ እቲ መረረት ምስ ናይተን ከተማታት መሓውራት ፖሊስ ክዘራረበሉ እየ እውን ኢሎም ኮሚሽነር ዘእማኑኤል ለገሰ።

ቃለ-ምልልስን መልሲ ሰበ-ስልጣንን – [VOA – መጋቢት 24/2006]
*******

*******

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories