ከም ተጋሩ ትኽክለኛ መንነትናን ተግባርናን – ኣብ ብዘይሰኸፈት እንተቕረብና ኸ?

(ብጌታቸው አረጋዊ)

ኣረጋዊ ዝተበሃለ ባህላዊ ጭራ ዝደርፍ እዩ(ኣብ ኣኽሱም)። ኣብቲ ደርፉ ካብ ዘሎ ግጥሚ…

…….እዞም ተጋሩ
ናይ ታሪክ ሓወልቶም፣ ኣክሱም ዘመስከሩ
ንሓርነት ንህዝቦም፣ ደሞም ዝገበሩ።

…..ኣቱም ደቂ ትግራይ፡ ክንደይ ትጥንክሩ
ዝመፀ እንተመፀ፣ ታሪኽኩም ተኽብሩ
ሃሊሉ ዝመፀ፣ ኣጥቢቕኩም ትኣስሩ
ክመሃር ዝመፀ፣ ዘርዚርኩም ትነግሩ።
ኣቱም ደቂ ዓደይ፣ ብዝሑ እባ አይትውሓዱ
ዝጠመየ እንተሎ፣ ክትመልእሉ ከብዱ
ዝፀገበ ድማ፣ ትመኽሩ ትምዕዱ
እምቢ ተበለኩም፣ ትብልዎ ኽሳዱ።
ኣንቱም ወሓላሉ፣ ኣንቱም ግርማ ዓዲ
በዘይ በኣኻትኩም፣ ይስስን ዶ ዓውዲ
ብዘይ በኣኻትኩም፣ ትኽበር ዶ? ዓዲ።…..

ዝብል ፍረ-ሓሳብ ይርከቦ።

ነስተውዕል! ኣብ ኢትዮጵያ ዝፀሓፉ ፅሑፋት እንተሪኢናዮም(ብፍላይ መፂሄታትን ጋዜጣታትን ውልቀ) ንትግራይ ዘፀልሙ እዮም ዝበዝሑ። ዋእ! ’ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ’ ያ በለ። ተጋሩ፦ እዛ ሃገር ብታሪኻ ክትሕበን ካብ ጥንቲ ብዙሕ ተኣምር ዝሰርሑ እዮም፤ ሓቂ ሓደ። ንነፃነትን ላእላውነትን ኢትዮጵያ ዝያዳ ዋጋ ዝኸፈሉ እዮም፤ ሓቂ ክልተ። ንህዳሰ ሓዳሽ ኢትዮጵያ ልዕሊ መጠን መስዋእትንት ኮይኖም፤ ሓቂ ሰለስተ። ብመንነቶም ዘይደራደሩ፤ ድኽነት ንምጥፋእ ዝያዳ ዝተግሁ፤ ሓይሉ ንዝኣምን ዘንፍሱ፤ ንኻልኦት መክበርቲ፤መሰሎም ዝትንክፍ ፈፂሞም ዘይፃወሩ/ዝድምስሱ ወዘተ፤ ቅቡላት ሓቅታት። እቲ ደራፊ እዚኣተን ኣብታ ግጥሚ ደርፉ ኣካቲቱ፤ ደሓን ይእቶ። ሓቦ የትሕዘካ።

ብስሩ ግን እዚ ከምዚ ዝበለ ህዝቢ፣ ንምንታይ ካብ ዝንእዶን ዘመስግኖን ዝፀርፎን ዘፀልሞን በዝሐ? ኢልና ንሓትት ዶ? እቲ ስቅ ዝበለ ዝንእዶን ዘመስግኖን እዩ ኢልና እንተኾይና (ሓቅነት ዉን ክህልዎ ይኽእል) ግን ክሳብ መዓዝ ሱቅ?ንዚ ህዝቢ ዝመርሑ መራሕቲን እዚ ህዝቢ ዘፍረዮም ምሁራትን ንምንታይ መንንቱ ዓው ኢሎም ብድፍረት ኣብ መድረክ ዘየቅርብሉ?

ለመቅነ ኢትዮጵያ ደሚቓ ቀንያ፤ ኩልና ድማ ደስ ኢሉና። ናይ ተጋሩ ግደ ከምዙይ ንኽትከወን ዝብል ብዝርዝር እንተቐረበ እንታይ ፀገም ኣለዎ? መዓዝ እዩ ክንገር? ወይስ ከምኡ ኢልና ንቶም ዝፃረፉን ዘፀልሙን ጥራሕ እናሰማዕና ኢና ክንብር? ክሳብ መዓዝ?

እዚ ህዝቢ ዋጋ ከፊሉ እዩ። ተቃሊሱ እዩ። ከርተት ኢሉ እዩ። ፀዋር እዩ። ዓቃል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ክምዚኣ ምኻኑ ዝስሕታ ኣካል ዘሎ ኣይመስለናን። ብኣ ልክዕ ግን ክብሪ ክረክብ ይግባእ። ዝፈትዎን ዝኣምነሉን ዝሕለቐሉን መራሒ ክምደበሉ፣ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ብዘቀራርብ መልክዑ ተገባራቱ ክንገረሉ፤ ኣብ ትግራይ ፍትሕን ዴሞክራስን ክሰፍን፣ ንቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ዝምጥን ክብርን ረብሓን ክረክብ…ይግባእ። ንዙይ ንዙይ ቅድምያ ክተግሁ ዝግባእ መራሕቲ ትግራይ እኳ እንተኾኑ ንኹሉ ግን ይምልከት።

*********

* ውራይና መጽሔት – ታህሳስ 2006

Wurayna Magazine

more recommended stories