ሕቶ ብሄር(ተኝነት) ኣብ ዘበናዊት ኢትዮጵያ – ግደ ተጋሩ ኣብ ምምላስ እቲ ሕቶ

መንግትነትን ሕገ መንግስትን ኣብ ኢትዮጵያ
ሕቶ ብሄር(ተኝነት)ን …… ምላሹን ኣብ ዘበናዊት ኢትዮጵያ
(ግደ ተጋሩ ኣብ ምምላስ እቲ ሕቶ)

(ብጌታቸው አረጋዊ)

ድሕረ-ባይታ
ከይዲ ምስረታ ሃገርነት ወይ መንግስትነት ( ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ) ኣብ ከይዲ ጐንፂ ገዛእን ተገዛእን ፣ላዕለዋይን ታሕተዋይን፣ ግብሪ መኽፈልን ከፋሊን ፣’ዓብላልን ተዓብላልን፣ ኣነ፡ ኣነ እባ ኣብ ዝብል ህልኽ ብኡ ልክዕ ግዝኣት  ናይ ምስፍሕፋሕን ሓይልኻ ምጥንኻርን ዘሎ ምስሕሓባት ዝፍጠር ወሰን ምኽላልንምጥያሽ መሓውራዊ ተዋረድ ዘለዎ ምምሕዳር ህዝብን ተኣሳሲሩ ዝረአ እዩ፡፡

ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ( ነዊሕ ታሪኽን ስልጣነን ዘለወን ) ነፃ ለኣላዊ  ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሃገርና ኢትዮጵያ ካብቲ ገኒና እትፈለጠሉ ስልጣነ ኣኽሱም ጁሚርና እነተርኢናያ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት (ህዝብታት )ውህደትን ፍልልይን ከይዲ እዩ ዘለዋ፡፡ ዝፀንሑን ዝመፁን ብምባል ዝፈላለዩ ሃማዊ/ኩሻውያንን ሴማውያንን ዝበሃሉ ህዝብታት ሓንሳብ እንተወሃዱ ካልእ ግዜ እንትጓነፁ፤ ገሊኦም ከሰልጥኑ  ገሊኦም ክስልጥኑ፤  እቲ ሓደ እንትገዝእ /እንትደፍእ ኻሊእ እንትድፋእ/እንትግዛእ እናበሉ ከምነበሩ ሰነዳት ታሪኽ የርድአና፡፡ ፕሮፊሰር በረከት ሃበተስላሴ ‘’ከይዲ ምዕባለ ሕገ መንግስቲ ‘’ ኣብ ዝብ|ል ፅሑፍ ’’ መበቆልን ባህሪን መንግስታት/ምእኹልነት  ኣብ ኢትዮጵያ እንትረአ ምስ ሃይማኖታዊ ታሪኽ፣ ጆኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ህዝብታት ፣ውሽጣዊ ጐንፅታት(ኵናታት)፣ምምፃእ/ምስፍሕፋሕ እስልምና (ንዘመናት ኢትዮጰያ ካብ ዓለም ክትግለል ዝገበረ ) ዝበሉ ኣርባዕተ ዓበይቲ ረቋሕታት ኣተሓሒዝካ ዝረአ እዩ’’ ይብል፡፡ ‘

ኣብ ዘበነ ስልጣነ ኣኽሱም ሓደ ምእኹል ዝኾነ ሓንሳእ ዝስጥም ካልእ ግዜ ዝልሕልሕ ፣ ሓንሳእ ዝሰፍሕ ( ካብ ደቡብ ግብፂ ክሳብ ደቡብ ዓረብያ ዝልጠጥ) ገለ ግዜ’ውን ዝፀብብ ናይ ባዕሉ ህዝቢ ዘማሓድረሉ ኣገባብን ቅርፅን ዘለዎ ፣ ፍትሒን ዳይነትን ዝህበሉ ደንብታት ዘካተተ መንግስቲ ምንባሩ ካብ ታሪኽ ንርዳእ፡፡ ተመራማሪ ታሪኽ ዝኾኑ ዶ/ር ተኽለሃየማኖት ገ/ስላሴ “ስልጣነ ኣኽሱም ንታሪኽ ኢትዮጵየያ ዘለዎ ግደ’’ ኣብ ዝብል መፅናዕታዊ ፅሑፎም ’’ኣኽሱማውያን …. ብዝለዓለ ደረጃ ዝተዋቀረን ዝተዋደደን ብንጉስ  ዝምራሕ መንግስቲ መስሪቶም፣¸ግዝኣቶም ክሳብ ደቡብ ግብፅን ዓረብያን ዘርጊሖም እቶም ንጉስ ነገስት መራሕቲ ወታደራት /ጦር ብምሻም ብናሃቶም  ትእዛዝ ዝዋግኡን ዝተፈላለያ ግዝኣታት ዘማሐድሩን .. ነይሮም፡፡’’ ብምባል ሰኒዶምዎ ይርከብ፡፡

ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ብዘይካ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ጐንደር (ሶሲኔስ ንወዶም ንፋስለደስትስ ብምውራሶም) ተፈጢሩ ዝነበረ ጥንኩር ማእከላዊ ቁፅፅር ዘለዎ መንግስቲ ዳርጋ ክሳብ ምልዓል ሃፀይ ቴድሮስ ፍሉጥ መዕለቢ ዘለዎ ማእኸላዊ መንግስቲ ኣይነበረን፡፡ ካበ ቦታ ቦታ እናተንትቀሳቐሰ ዝዋጋእን ገለ መንግስታዊ ዝመስል ተግባራት ዝፍፅምን ዝነበረ ሰለሙናዊ ሓረግ ንግስነት  እኒሀኒ ዝብል ናይ ሽዋ ምውስዋስ ነይሩ እዩ፡፡ ኣብቲ ግዜ እቱ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ፍትሃነገት ፣ ክብረነገስት  ስርዓተ መንግስቲ ………… ዝበሃሉ ከም ሕገ መንግስቲ ዘገልግሉ ( ዴቪድ ሌቪን ብሽድሽተ ተጋሩ ኣብ 14 ዓመት ዝተዳለው ሰነዳት እዮም  ዝብሎም) ሰነዳት ነይሮም እዮም፡፡ ንቲ ብዘነበ ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝተዳለወ ሕገ መንግስቲ እውን ከም መበገሲ ዝኾኑ ታሪካዊ ሰነዳት እዮም፡፡

ኣብቲ ሰለሞናዊ ሓረግ ንግስነት መስመር ይኹን ኣብ ዘበነ ጐንደር ብሄራዊን ካልእ ግዜ ድማ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሕቶታትን ጐንፅታትን ይለዓሉ ነይሮም እዮም፡፡ ኣብ ጐንደር ናይ ኦሮሞ ፣ ትግራይ ፣ ኣጐው …. ኢድ ምእታው ምንባሩ ፤ ናይ አሕመድ ግራኝ ድማ ከም ናይ ሃይማኖት ገይርካ ከም ኣብነት ክለዓሉ ይኽእሉ፡፡

ሃፀይ ቴድሮስ ዳርጋ ብትንትን ኢላ ዝነበረት ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ጥርኑፍ መልክዕ ንምምፃእ ፃዕሪ ገይሩ፤ ስሩዕ ( መሃያ ዉን ዘለዎ) ሰራዊት ምጥያሽ ፣ዝተፈላለየ ሕግታትን ድንብታትን ብምድላው ኣብ መሬት ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ፣ ኣብ ግብሪ ወዘተ ዝተፈላለዩ ምትዕርራያት ንምግባር ኪኢሉ ነይሩ፡፡ ንዕኡ ተኪኦም ዝመፁ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ብዘሕ ግዚኦም ኣብ ምክልኻል ወራርን ምኸባር ላዕላውነትን ዝተፀመዱ እዮም ነይሮም፡፡

ምቋም ሓደ ጥርኑፍ መንግስቲ(ብሽዋዊ ዘቤ)ን ውፅኢቱን

ኣብ ሽዋ ማእኸሉ ዝገበረ ብሚኒሊክ ዝምራሕ መንግስቲ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ንላዕሊ ጥንኩር ዝበሃል ማእኸላዊ መንግስቲ ንምምስራት ዝተዋደደ ጨቖናን መፅቀጥትን ኣብ ልዕሊ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝፈፀመ እዩ፡፡ ሚኒሊክ ( ብሽዋዊ ዘቤ) ሓደ ጥርኑፍ መንግስቲ ንምቋም ( ኣብ ልዕሊ እቲ ንደቡብን ምዕራብን ከባቢታት ዝገብሮ ምስፍሕፋሕ) ናይ ባዕሉ ቢሮክራሲ ንምጥንካር ቀዋሚ ሰራዊት ክፈጥር ፣ካቤኒ ሚኒስተራት ከጣይሽ ፣ ነዚ ዝድግፍ ትምህርቲን ገለ መሰረተ ልምዓትን ከተኣታቱ ኪኢሉ እዩ፡፡  ንዙይ ብዙሕ ናይ ወፃኢ ደገፍ ረኺበሉ እዩ፡፡

ብስራት ኣማረ ‘ፍኖተ ገድል’ ኣብ ዝብል መፅሓፍ ናይ ሚኒሊክ ናብ ስልጣነ ምምፃእ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ዘጋጥምዋ ዘለው ዝተሓለለኹ ፀገማት ዘስዓበ ፣ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ንወፃኢ / ባዕዲ / ኣሓሊፋ ዝሃበ ክስተት እዩ ብዝብል ይገልፆ፡፡

ሃፀይ ሚኒሊክ ብደቡብ ፣ ምዕራብ ፣ ምብራቕን ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ህዝቢታት / ብሄራት ዘይሰልጠኑ ክስልጠኑ ዘይክእሉን ዘይግበኦምን ብዝብል ኣብ ትሕቲ እቲ ‘’ ስልጡን ዝበሉዎ ብሄር ኮይኑ ኩለመዳያዊ ዓፈና ክግበረሉ እዮም ገይሮም፡፡ ብሰሜን (ትግራይ )ንዝነበረ ድማ ናይ ስልጣን መናሕንሕቲ እዩ ብዝብል ንከይጠናኸር ዝተዋደደ ብሄራዊ ጭቆና ክበፅሖ  ገይሮም ብዝብል ዝገልፆ ፡ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ዴሞክራስን ብሄርን ሕቶ ኣብ ወያነ ኢትዮጵያ ዝብል ብ1982 ዓ/ም ዝተሓተመ መፅሓፍ እዩ። “ዘበነ ሸ” ዝበሃል ምድሪ ትግራይ ዝምስክረሉ ተግባር ምኒሊክ ናይዚ መገለፂ እዩ፡፡

ነዚ ኸይዲ እዚ ኣብ ትሕቲ ፍፁም ውልቃዊ ኣገዛእ ሓደ ንጉስ ዝተተኸለ ዘውዳዊ ፍፁማዊነት መለለይኡ ብዝገብር መልክዑ ንኣሃዳዊ ኣገዛዝኣ ሕጋዊ ልባስ ብምሃብ ሃፀይ ሃይለስላሰ  ቀፂሎምሉ እዮም፡፡ ብ1923ዓ.ም ብፌርመኦም ዘፅደቕዎ ሕገ መንግስቲ ዝስዕብ ስልጣን ንጉሰ ነገስት ሃይለሰላሴ ይህቦ ኣብ ዓንቀፅ 2 ‘’ ኢትዮጵያ መሬታ ፣ ሰባ፣ ሕጋ ፣ ….. ናይ ንጉሰ ነገስት ምዃኑ …… ‘’ ብ1936 ዓ.ም ዝወፀ ደንቢ ትምህርትን ቋንቋን ድማ ኣምሓርኛ እንኮ ቋንቋ እዛ ሃገር ምዃኑ ይድንግግ፡፡ ስለዚ ካብ ኣምሓርኛ ወፃኢ ካሊእ ቋንቋ ምጥቃም ሕጋዊ ኣይነበረን፡፡

ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ ቅደሚ ምፅዳቕ ሕገ መንግስቲ ኢፊደሪ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንምርዳእ ኢሉ ‘የአደሰቱ ኢትዮጵያ ገፅታ  በብሄር ብሄረሰቦችና ህዝቦች ማንነት ኣንፃር’  ኣብ ዝብል ፅሑፉ ዝገልፆ  ‘’ንቡዙሓት ዓመታት ኢትዮጵያዊ ንምዃን ናይ በዕልኻ መለለይ መንነት ምሕባእ ግድን ነይሩ እዩ፡፡ በቲ ስርዓት ክብረ ዝተሸለሙ ባህሊ ፣ ቋንቋን ሃይማኖትን ምልባስ ግድን ነይሩ፡፡ እዚይ ፀጋ እዙይ ( ፀጋ እንድሕር ኮይኑ ) ዝረክብዎ እውን ውሑዳት እዮም ነይሮም፡፡” ይብል። ንቲ ኩነታት ዝያዳ ንምብራህ ነጋድራስ ተሰማ እሸቴ ዝገጠምዎ

‘’ ታሪክ ብዙ ተሰማ እሸቴ
ተደበቄ አለሁ በገዛ ቤቴ’’
ዝብል ግጥሚ ኣደጊፉ ታሕታዋይነትካ ተቐቢልካ፣ንብልዕሌኻ መሲልካ ኣብ መገዛ ዓድኻ ጓና ኮይንካ ቅረብ ዘይተብሃለ እሞ ክንደይ እዩ? ብዝብል ይግለፆ ፕሮፊሰር እንድርያስ እሸቴ፡፡

እዙ ኣካይዳ እዙይ ድማ ንኢትዮጵያ ናብ ዘየቋርፅ ውሽጣዊ ዓመፃትን ቅልውላዋትን ኣእተዋ፡፡

አምባሳደር ተስፋይ ሃቢሶ ‘ሕገ መንግስታዊ መሰል ክሳብ ምግንፃል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል ፅንዓታዊ ፅሑፎም “ካብ ዘበነ ሃፀይ ሃይለስላሰ ክሳብ ደርጊ ዝነበሩ ዓመፃትን ጐንፅታትን መበገሲኦም  ብሄራዊ ሕቶ እዩ ነይሩ፡፡ ማእኸላይ መንግስቲ ንሕቶ ብሄረ ( ተኝነት) መልሲ ዘይምሃቡን አብ ከክንድኡ ወሲኹ ምጭቋኑን ዝወለዶም ዓመፃትን ኩናታት ሓድሕድን  እዮም ነይሮም” ይብልዎም።

ምንቅስቃስ ተምሃሮን ምምዕባል ሕቶ ብሄር(ኝነትን)

ኣብ 1950ታትን 60ታትን ዝተቐፃፀለ ምንቅስቃስ ተምሃሮ እቲ ዝተዋደደ ጨቖና ማእኸላይ መንግስቲ ( ሽዋ) ዝወለዶ ምዃኑ እዩ፡፡ ቅድሚ ምንቅስቃስ ተምሃሮ ከም ቀዳማይ ወያነ ( ዓመፅ ሓረስቶተ ትግራይ )፣ ዓመፃት ባሌን ጉጃምን ምሒር ምረት ጭቆና ህዝቢታት ከርእዩ ዝኽአሉ፡ ግን ንግዚኡ ዘይተዓወቱ ህዝባዊ ዓመፃት እዮም ነይሮም፡፡

ናይቲ ስርዓት ፍፁም ፀረ ህዝብነትን ፣ ፀረ ዲሞክራሲውነትን ዝወለዶም ተቖፃፃላይ ዓመፃት መልከዖምን ኣወዳድበኦምን ዝተፈላለዩ እዮም ኮይኖም መፂኦም፡፡ ፀረ ስርዓት ሃይለስላሰ ንዝግበር ዝነበረ ዓመፅ ተበሊፁ ሰሊኹ ስልጣን ዝሓዘ ወታደራዊ ጉጅለ ደርጊ ብኣዋጅ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝደፍእ ምስኮነ ኩሉ ብዝተዋደደ መልክዑ ክቃለስ ዝወሰነሉ ነይሩ፡፡ ነቲ ዝነበረ ኣሰላልፋታት ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኣብ 4ተ ክፊሉ ይሪኦ(ንፋና ዝሃቦ ቃለ መጠይቅ ስማዕ)። 1. ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ፀጊንካን ኣመዓራሪኻን ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ከም ናይ እኒ ኢድዩ ዝበለ ምንቅስቃስ 2. ሶሻሊስት ዝኾነ እቲ ፀገም መደባዊ  ሕቶ እዩ( ናይ ሸቃላይ ፓርቲ ተተመስሪቱ ኩሉ ይፍታሕ ብዝብሉ) ከም ኢህኣፓ ፣መኢሶን ፣ ዋላ ኢሰፓ ዘሰጉምዎ 3. ካብዚ ዝኸፍእ የለን ብዝብል እቲ ፀገም / ሕቶ ብዝበልሐ መልክዑ ባዕዳዊ ‘ውን እዩ ኢሎም ክሳብ ንምግንፃል ዝቃለሱ ከም ኦብነግ ፣ ኦነግ ፣ ሻዕብያ ፣ ግግሓት ፣ ወዘተ ዘለውዎ ሱቅ ኢሎም ብዓይኒ ዕሙተይ ዝቃለሱ 4. ኣብዛ ሃገር ብዋናነት ብሄራዊ ወፅዓ ሰዒቡ ድማ ደርባዊ ብዝበዛ እዩ ዘሎ ስለዚ ብሄራዊ መልክዕ ዘለዎ ቃልሲ ብምክያድ ዝፍታሕ እዩ፡፡ ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ብምምስራት መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንፃል ብምሃብ ዝፍታሕ እዩ፤ ዝብል ድማ ብፍሉይ ህወሓት ዘሰጉሞ እዩ ነይሩ ይብሎ፡፡

ፕሮፌሰር እንድርያስ እሸቴ ነዚ ኣሰላልፋ ( ኣቦይ ስብሓት ዘቐመጦ) እታ  ናይ መጀመርታ ገዲፉ እተን ሰለስተ ከምዝስዕብ ይገልፀን ‘’ብሄራዊ ኣርማ ና ትግል በህዝባዊ የነፃነት ንቅናቄ ‘’ ኣብ ዝብል ፅንዓታዊ ፅሑፍ 1. ኢህኣፓ ፣ መኢሶን ዘለውዎ ነፃነትን መሰልን  ብሄራት ‘ውን ዝቅበል ግን ደርባዊ ሕቶ ዘቅድም 2. ሰማሊ ነፃነት ግንባር ፣ ሲዳማ ነፃነት ንቅናቄ ፣ ሰማሊ ኣቦ ነፃነት ግንባር ፣ ዓፋር ነፃነት ግንባር፣ ኦሮሞ ህዝብታት ነፃነት ግንባር ፣ ኦሮሞ ምስሊም ነፃነት ግንባር ፣ ወዘተ……… ዝበሉ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ምንቅስቃሳት 3. ህወሓት ካብ ኩሉ ፍልይ ብዝበለ ንብሄራዊ ቃልሲን ነፃነትን ቅድሚያ ዝሃቦ ኮይኑ ብተግባር ዝፈፀመ እዩ ብዝብል ይገልፆ፡፡ ጐኒ ንጐኒ ንደርባዊ መፅቀጥቲ ሓዊሱ ኩሎም ፓለቲካዊ ፣ ኢኮኖሚያዊን ፣ ማሕበራዊን ፀገማት እቲ ህዝቢ ( ንቀደም ትግራይ ቀፂሉ መላአ ኢትዮጵያ ) ንምፍታሕ ዝተቃለስን ዘተገበረን እዩ ይብል፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዋና  ፀገም ናይ ብሄር ሕቶ ዘይምምላሱ ምዃኑን ህወሓት ድማ እቲ ፀገም ብዝግባእ ምልላዩ ካብ ኩሎም በሊፁ ተዓዊቱ ክወፅአ ኣኽኢልዎ እዩ ይብል ኣቦይ ስብሓት ነጋ፡፡

ፕሮፌሰር እንድርያስ ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ኩነታት ህወሓት ንክዕወት ሓጊዝዎ እዩ ዝብል ይውስኸሉ፡፡ ንምንታይሲ ህዝቢ ትግራይ ኩሩዕ ህዝቢ ነይሩ ግን ድማ ዝያዳ ተጨቁኑ፡፡ ከምዝተጨቆነን መን ከም ዝጨቆኖን ድማ ብዝግባእ ይግንዘብ ነይሩ ይብል ፕሮፌሰር እንድርያስ፡፡

ሕግመንግስቲ ኢፊዴሪ ንሕቶ ብሄር(ተኝነት ) ዝሃቦ ምላሽ

ህወሓት/ኢህወደግ ንወታደራዊ መንግስቲ ደርጊ ደርዒሙ ስልጣን መንግስቲ ምስ ጨበጠ እቲ ካብ መበቆሉ ብደንቢ ተገንዚቡ ሒዝዎ ዝነበረ ብሄራዊ ወፅዓ ቀንዲ ሕቶ ኢትዮጵያዊያን እዩ ዝብል መትከል ንኢትዮጵያ ብዘድሕን መልክዑ መልሲ ሂቡሉ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ፀላአቲ ዋላ ፈተውቲ ዉን ነይሮም። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ልዕሊ 17 ዉድባት ፖለቲካ(መብዛሕተአን ብሄር መሰረት ዝገበራ) ነይረን። ክንግንፀል ዝብል ስሚዒት እዉን ቀለልቲ ኣይነበሩን ፤ ብፈላይ ብሶማሊ ድማ ይብእስ ነይሩ።  ሕገ መንግስቲ ኢፌድሪ ግን ንኩሉ መልሲ ሂቡ፤ ሶማሊ ክልል ባዕሉ ማዓልቲ ብሄር ብሄረ ሰብ ከመይ የክብር ከብዘሎ ተዓዚብና ሎሚዘበ|ን፡፡

ቀንዲ ዓንዲ እዚ ሕገ መንግስቲ እዚ ዝኮነ ዓንቀፅ 39 መሰል ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ክሳብ ምግንፃል ብዘይ ገደብ ዝሃበ እዩ፡፡ ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣፈላላያትን ክትዓትን ይለዓሉ እዮም፡፡እቶም ክትዓት ቅድሚ ምቅራበይ እቲ ሕገ መንግስቲ ንብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ዝሃቦ ትርጉምን ግምትን ክጠቓቅስ፡፡ ሕገ መንግስቲ ሃይለሰለሰ ናይ ኩሉ ላዕለዋይ ስልጣንን ዋንነትን ንንጉስ ዝሃበ ምንባሩ ርኢና፡፡ሕገ መንግስቲ ኢህድሪ እውን ንሸቃላይን ንፕረዝዳንትን እዩ ነይሩ፡፡ ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ግን ላዕለዋይ ስልጣን ንብሄረ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ይህብ፡፡ ( ዓንቀፅ 8 ረአ) ፡፡ እንትጅምር ንሕና ናይ ኢትዮጵያ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣሉ ይጅምር ኣብ መእተዊኡ። ዋንነት ብዝምልከት ‘ውን ( ሕገ – መንግስቲ 1923 ዓ.ም ኢትዮጵያ መሬታ ፣ንፋሳ ፣ ማያ ኮነ ሰባ (ኩሉመናኣ) ንንጉስ ዝሃበ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግን ዋንነት ዝምልከት ንብሄራት ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘሃበ እዩ፡፡ ( ዓንቀፅ 40 ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ሪአ)፡፡

ናብቲ ዓንዲ ሕጊ መንግስቲ ኢፌዴሪ ዝኮነን ኢትዮጵያ ዘድሐነን ዓንቀፅ 39 ክንምለስ። ብርክት ዝበሉ ሓይልታት እዚ ዓንቀፅ ኢትዮጵያ ንምብታን ብተንኮል ዝተቐመጠ እዩ ይብልዎ፡፡ ዋላ ገለ ደገፍቲ ናይዚ ስርዓት እውን ዘድሊ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለው፡፡

ኣለማዮሁ ቢራራ ዝተብሃለ ‘’ ዓንቀፅ 39፡ሒሳዊ ምልከታ ‘’ ኣብ ዝብል ፅሑፉ ክልተ መሰረታዊ ጉድለታት እዚ ዓንቀፅ ኢሉ፡  ሓደ ባዕሉ ንባዕሉ ዝፃረረ ዓንቀፅ  እዩ ካልኣይ ናይ ምግንፃል ሓደጋ ካብ መሰል ብሄራት ምርጋፅ ዝብገስ እዩ ይብሎ ( ካልኦት ምክንያታት ምህላዎም ይርስዕ )፡፡

እዚ ዓንቀፅ ህልውና ናይዛ ዓዲ ዝውስን እዩ፡፡ ብወገን መንግስቲ ከም ሃገር ሓድነትና ሓሊናን  ጠንኪርናን ክንከይድ ዝገበረ እዩ ዝብል ፅንዕ እምነት እነሀ፡፡ ተቃወምቲ
ድማ ገዛኢ ፓርቲ ንከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ተንኮሉ ክብል ዘምፀኦ ዓዲ ከፍርስ ዝክእል እኩይ ዓንቀፅ እዩ ዝብል በቢፁሑፋቶም ደጋጊሞም ዝገልፅዎ እዩ፡፡ ብዓይኒ ፍላስፋታት ፣ ፓለቲከኛታት ፣ ተመራመርቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ከ  እንታይ ይብል?  ኣፈላላያት ከምዘሎ እዩ፡፡ ብፍላይ ንመሰል ውልቀ ሰባት ጥራሕ ዝግደስ ሊበራል ዲሞክራሲ ዘስጉሙ ተቓውሞታቶም የስምዑ እዮም፡፡

Sunstein ዝተበሃለ ሙሁር ሕጊ፡ ሕገ መንግስታዊ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንፃል ምርግጋፅ እቲ ዝለዓለ ተበግሶን መከኣኣሊ ሜላን እዩ ኦሉ ድጋፉ ይገልፅ። ንዴሞክራስያዊ ከይዲ፣ ንምክእኣል፣ ንምትሕልላይን ምክብባርን ሕገ-መንግስታዊ ውሕስና ብድፍረት ምሃብ ገይረ እይ ዝወስዶ እዩ ዝብሎ። wayne Norman and Daniel weinstock ዝተበሃሉ ፈላስፋታት ድማ ኣብ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ምግንፃል መሰል ዝተወሃበ ብሄር ካብ ሃገሩ(ከምኡ ዝበለ መሰል ዝሃበቶ ሃገሩ) ክግንፃል ሕቶ ዘቕርበሉ ዝኮነ ምኽንያት/መንገዲ ክህሉ ኣይኽእልን። ስለ’ዚ ቁልፊ መፍትሒ ሕቶ ብሄር(ተኝነት) እዩ ኢሎም ይከራኸሩ። Norman ንዙይ ኣስፍሕ ኣቢሉ እንትገልፆ “መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንፃል ማለት መእኸላይ መንግስቲ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ‘ንሕና..ማእኸላይ መንግስቲ ሕጋዊ መሰል… ክሳብ ምግንፃል ሂብናኩም ኣለና …እዛ ሃገር በዓልኹም ኮይንኩም ምስ ኣሕዋትኩም ተሳኒኩምን ተከባቢርኩምነ እትነብሩላ ሃገር እያ። መሰልኩም ብዘይገደብ ሕሉው እዩ። ስለ’ዚ ክትግንፀሉ እትደልይሉ ዘእከልምን ምኽንያት እንታይ ክህሉ ይኽእል?’ ኢልካ ክም ምሕታት እሞ..ኣይ ምንም የብልናን ሓቢርናክነብር ኢና’ ዝብል ብጣቅዒት ዝተዓጀበ መልሲ ስምምዕነት ዝህብሉ ኮይኑ ይስመዓኒ።” ይብል።

ንዘበናት እናተሓመሰት ዝፀንሐት ሃገርና ኢትዮጵያ እዚ ሕገ መንግስቲ ኢፈደሪ ብዝሃቦ ናይ ህዝብታት መሰል ፡ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጎንፂ ገዲፎም ገፆም ናብ ልምዓት ብምግባሮም ኣብዘን ቁሩብ ዓመታት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣርእያቶ ዝኒሀ ጉዕዞ ግስጋሰ ንርትዓውነት ዓንቀፅ 39 መረጋገፂ ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል ድልዱል ኣብነት እዩ።

ግደ ተጋሩ ኣብ ምምላስ መሰረታዊ ሕቶታት ( ሕቶ ብሄር) እዛ ሃገር ፣

እዚ ጉዳይ ሰፊሕ መፅናዕቲን ትንታነን ዘድልዮን ዝግበኦን እዩ፡፡ ካብ ሱቅ ግን ገለ ነጥብታት ከልዕል ( ከም መበገሲ እውን እንተኾነ) ፡፡

ፕሮፌሰር እንድርያስ እሼቴ ኩሉ ነገር ኣብ ትግራይ ስለዝጅምር ማለት ምሕደራ ህዝቢ ፣ ሃይማኖት ፣ ስነ ህንፃ ፣ ስነ ፅሑፍ ወዘተ ናይዛ ሃገር ብኡ ስለዝጀመረ ፀገም እንተጋጥም መፍትሒኡ እውን ብኡ ምምፅኡ ዘግርም ኣይኮነን ይብል፡፡  ንምንታይ ብውሕድ ዓቅሚ ኣብዛ ጫፍ እዛ ሃገር ዝተጀመረ ቃልሲ ካብ ኩሉ በሊፁ ወፂኡን ታዓዊቱን ኢለ እንተሓስብ ንዓይ ዝህበኒ መልሲ ንሱ እዩ ይብል፡፡

ብስራት ኣማረ ኣብታ ፍኖተ ገድሊ ትብል መፃሓፉ ንህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ለኣላውነት ፣ ታሪኽ ፣ ባህሊ ፣ መንነት ምኽባር ወዘተ ዝብሉ ወሰንቲ እስታት ( ክብርታት ) እዮም፡፡ በዚኦም ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይቐርብን። ስለዝኾነ እዩ ጃብ ማንም ንላዕሊ የቓሊሱ ይብል፡፡

ብዝኾነ እቲ መበገሲ ከም ዘሎ ኮይኑ ትግራይ ( ኣብቲ ቀድም ምእንቲ ነፃነት እዛ ሃገር ዝኸፈለቶ ዋጋ ከምዘሎ ኮይኑ) ኣብቲ ናይ ሐዚ ሓዳሸ ኢትዮጵያ ምፍጣር ዝከፈለቶ ዋጋ ገለ ኣብነት እንትነልዕል፦ ፀረ ጭቆና ማእከላይ መንግስቲ ሽዋ ኣብ  ዝተገበሩ ዓመፃት ሓረስቶት ቀዳማይ ወያነ ከም መረአያነት  ይለዓል፡፡ ሽዑ ዝተከፈለ ዋጋን ዝፈጠሮ ሃገራዊ ሕራነን ብዙሕ እዩ፡፡

ኣብ ምንቅስቃስ ተምሃሮ እኒ ጥላሁን ግዛው፣ ስብሃቱ ውብነህ ዝተበሃሉ ውሩያት ተምሃሮ ዝከፈልዎ መስዋእቲ ኣብ መላእ ሃገር ከም መቀፃፀሊ  ቃልሲ ኾይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ቅደሚ ደርጊ ናብ ስልጣን ምውፅኡን ውድባት ምምስራተንን ከምኒ ብርሃነ መስቀል ረዳ ፣ ኣበበ ተሰማ ፣ መለስ ተክለ፣ ወልደስላሴ( ስብሓት) ነጋ ፣ ስብሓት ውብነህ ፣ ኣማረ ተስፋ ፣ ሃይለ ኣፅበሃ ፣ ዮውሃንስ ስብሃቱ ፣ የውሃንስ ተክለሃይማኖት ፣ ጥላሁን ይግዛው ፣ ገረመስቀል ሃይሉ ፣ ዘርኡ ክሕሸን ፣ ግደይ ገብረዋህድ ፣ ረዘነ ኪዳነ ፣ ኣረጋዊ ( በሪሁ ) በርሀ ፣ ሓጐስ ገብረዮስስ ወዘተ ዝበሉ ሃገራዊን ብሄራዊን ዛዕባታት ብዝግባእ ብምቅራፅ ነቲ ወያነ ኢትዮጵያ ዘቀፃፀሉ፤ ፀኒሖም እውን ዝተፈላለዩ ውድባት መሰሪቶም ገሊኦም ኣብቲ ከይዲ ሂወቶም ዝከፈሉ ገሊኦም ድማ ብሂወት ዘለዉ ተጋሩ እዩም፡፡

ብውዳበታት መልክዕ ድማ እንተሪኢና ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይን ምስ ትግራይ ብዝተኣሳሰረን፡ ማሕበር ዮኒቨርስቲ ተምሃሮ ተጋሩ ፣ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ፣ምንቅስቃስ ተምሃሮ  ኢትዮጵያ ( ብርሃነ መስቀል ረዳ ዝመርሖ) ፣ ማሕበር ፓለቲካ ትግራይ ( ደሓር ግገሓት )፣ ግንባር ሓርነት ገድሊ ትግራይ ፣ ናይ ትግራይ መንእሰይ ሰሻሊስት ሊግ ፣ ማሕበር ገስገስቲ ብህረ ትግራይ ( ዳሓር ህወሓት ) ፣ ወዘተ በቲን በዚን  ኮይኖም  ንቲ ምህዋር  ብዝገርም ቅልጣፈ ኣቀፃፂሎም ፡፡ ከይዱ ከይዱ እውን ብህወሓት መልክዕ ሒዙ ኩሉ እናተጠቃለለ ከም ትግራይ ናብ ህወሓት ዓሲሉ ናይ ሂወት( 60 ሺሕ መንእሰይ)፣ መጉዳእቲ ክንድኡ ዝኸውን፣ ቁፅርን ስፍርን ዘይብሉ ንብረትን ንዋቱን ከፊሉ  ንኢትዮጵያ ካብ ዓዘቐቲ ምዝሕቅ ኢላ ክትወፅእ ልዕሊ ግቡእ ተፃዊቱ ህዘቢ ትግራይ ፡፡

ገለ ኢዱ ዝኸልእዎ እዃ እንተሃለዉ ’’ ፈትሊ ሓቂስያ ትምንምን እምበር ኣይትብተክን” እዩ እሞ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓደ ማዓልቲ የቐንየልና ከምዝብልዎ ይእመን፡፡

*********

* ውራይና መጽሔት – ታህሳስ 2006

 

 

Wurayna Magazine

more recommended stories