ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ከይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል – ኣብ ውዲት ኣግኣዚያን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትንተናዊ ፅሑፍ

(ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ)

1/ መእተዊ

2/ ኣካልላ ሃገራት ኣፍሪካ

3/ ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ

3.1/ እጃም ትምክሕቲ ኣብ ሓድነት ኢትዮ-ኤርትራን

3.2/ እጃም ሻዕብያ ኣብ ሓድነት ኢትዮ-ኤርትራን

4/ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ትምክሕቲ

4.1/ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ

4.2/ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ

4.3/ ፀባን ጠስምን ከመይ ተወሃህዶ?

5/ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያንን ውዲቱን

5.1/ ምንቅስቃስ ኣግኣዚያን

5.2/ ሳዕቤን ውዲት ኣግኣዚያን

5.3/ ትግራይ ትግርኚ (ኣግኣዝያን) ብሓቂ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ዶ ኢትዮጵያ ናይ ምብትታን ውዲት?

5.4/ ትግራይ ትግርኚ (ኣግኣዝያን) ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ብምሕሳብዶ ዋላስ ካሊእ ውዲት?

6/ መጠቃለሊ

1/ መእተዊ

ኢትዮጵያ ናይ ወዲሰብ ዘርኢ መቦቆል ጥራሕ ዘይኮነትስ ናይ ዘመናዊ ስልጣነ ወዲሰብውን ካብ ዝጀመራ ናይ ዓለምና ከባቢታት ሓንቲ ከምዝኾነት፣ ኣብ ዓለምና ዘመናዊ መንግስቲ ምሕደራ ካብ ዝነበረን ዝባሃላ ውሑዳት ሃገራት ሃገርና ሓንቲ ከምዝነበረት ናይ ታሪክ ዓሻራታት ይሕብሩ፡፡ ካብቲ መኹርዒ መግለፂታታ ታሪኻ ዝጥቀስ  ሓደ ኣብ ታሪኻ ንባዕዳዊያን ገዛእቲ ኣሜን ኢላ ተገዚኣ ዘይትፈልጥን ንዝመፀ ባዕዳዊ ወራሪ እናሕፈረት ትመልስ ዝነበረት ብሕታዊት ኣፍሪካዊት ሃገር እያ፡፡ ገለ ገለ ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ ኢትዮጵያዊ ናይ ባዕዳውያን መግዛእቲ ፅዕንቶ ዘይሓደሮ ብኩርዓቱ፣ ዓርሰ እምነቱን ኣብ ሰብኣዊ መንነቱ ካብ ማንም ፃዕዳ ኣትሒቱ ዘይርኢ ምዃኑ ብርሑቑ ተለልዮ እዩ ይብሉታ፡፡

እዚ ኣቦታትና ዘውረሱና ሉኣላዊነት ሃገርና ብዘይምንም ቅድመ ኩነት ናይ ምኽባር ጀግንነት ፉሉይ መግለፂ መንነት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ እነሆ ኣብዙ ዘለናሉ እዋን እውን ንዝመፁ ወረራታትን ተፃብኦታትን ብጅግንነትን ብሰዓራይነትን እናመከትናዮም ንርከብ፡፡ ይኹን እምበር ማዕረ ምስ እዚ መኹርዒ ታሪክናን መንነትናን ዘሰክፍን ዘሕፍርን ምስሊ ድማ ኣለና፡፡ እሱውን ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዘመን ብዘመናዊነትን ሓያልነትን ቅድሚ ሃገርና ከምዘይነበርና፣ ናይ ውሽጢ ፀገማታ ምእላይን ምፍታሕን ኣብዩዋ ንዘመናት ንድሕርሕሪት ድሕሪ ምጉዓዝ ካብ ዓለምና ናይ መጨረሽታ ድኻ፣ ብዘይ ምፅዋት ጠጠው ዘይትብል ኣብ ኣፍደገ ምብትታን ዝበፅሐት ሃገር ክሳብ ምዃን በፂሓ ነይራ፡፡

ኣብ መወዳእታ ግን ሳላ ቅኑዕ መስመር ወያናይ ዴሞክራሲን ህዝባዊ ውግንና ዘለዎ ውድብ ምርካብና ድሕሪ ናይ 17 ዓመት መሪር ቃልሲ ነቲ ናይ ድኽነትን ድሕረትን ዋርድያ ዝነበረ ናይ ትምክሕቲ ስርዓት፣ ከም ስርዓት ከምዘይምለስ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ብምድምሳስ ዴሞክራሲያዊን ሕገ-መንግስታዊን ስርዓት ብምህናፅናን ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መስመር ብምጭባጥና እነሆ ናብ ናይ ቀደም ናይ ስልጣነን ምዕባለን ቦታና ንምምላስ ኣብ ስሉጥ ጉዕዞ ንርከብ፡፡ ሐዚ ኢትዮጵያ ብህንፀት ዴሞክራሲያዊ ፌደራላዊ ስርዓት ከምኡውን ስሉጥ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ፍትሓዊን ኤኮኖሚያዊ ልምዓት ብምምዝጋብ ካብ ዓለምና ተጠቓሲት ሃገር ኣብዝኾነትሉ እዋን ናይ ሕሉፍ ስርዓታት ቅሪታት ዝኾኑ ትምክሕትን ፀቢብነትን ኣተሓሳስባን ተግባራትን ውጥም ቅልቅል እናበሉ ካብ ጉዕዞ ልምዓትና ከተዓናቕፉና እንትፍትኑ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡

ካብ መወዳእታ 2008 ዓ.ም. ክሳብ መጀመሪያ 2009 ዓ.ም ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኦሮሚያን ኣምሓራን ክልላት ኣብ መሬት ዘየሎ ሓቂ “ልዕልነት ተጋሩ፣ ልዕልነት ህወሓት ጠጠው ይበል” ብዝብል ዝተልዓለ ዓመፅን ብፅብፅን እንትንርኢ ብዋናነት ካብ ድሑር ኣተሓሳስባን ተግባርን ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝብገስ ኮይኑ፤ ናይ ኢትዮጵያ ምዕባለን ምርግጋዕን ብዘይደልዩ ናይ ደገ ሓይሊታት ኢድ ኣእታውነትውን ከምዝነበሮ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ነዚ ዝተፈጠረ ዓመፅን ብፅብፅን ብደገ ኮይኖም ቴክኒካዊን ገንዘባዊን ድጋፍ ብምግባር ዝመርሕዎ ዝነበሩ ብፍላይ ሓይሊታት ግብፅን ሻዕብያን ዝሓንፀፅዎ ውዲት እንትንርኢ፣ ኢትዮጵያ ንምብታን ወይ ንምሕማስ ኣብቶም በዝሒ ህዝቢ ዘለዎም ብሄራት ኦሮሞን ኣምሓራን እንተሰሪሕና ናብ 60% ዝኸውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክዘምት እንተገይርና ኢትዮጵያ ብቀሊሉ ናብ ብፅብፅን ምብትታንን ክተምርሕ ትኽእል ዝብል እዩ ነይሩ፡፡ ውፅኢቱውን ዋላ ከምቲ ዝተሓሰበ ኣይኹንእምበር ኣብዚ ዕግርግርን ብፅብፅን ንዓመታት ዝሃነፅናዮም ቀሊል ዘይበሃል መሰረተ ልምዓታትን ዘፍረናዮ ሃፍትን ኣብ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ በኒኑ እንትጠፍእ ተዓዚብና ኢና፡፡ እዚ ከምቲ ዝተሓሰበሉ ውዲት ርሑቕ እንከይከደ ብተሳትፎ ህዝብን ብጠንካራን ዘየዳግም ስጉምቲ መንግስቲን  ብቐሊሉ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ተገይሩ እዩ፡፡

እዞም ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት እዚኦም ዝሓሰብዎ ውዲት ናይ ምፍሻሉ ምኽንያት ኣብቲ ዓመፅን ብፅብፅን ህዝቢ ትግራይ ስለዘይተሓወሰ ንቲ ስርዓት ብቀሊሉ ከናውፆ ኣይከኣለን ስለዚ ትግራይ’ውን ኣብቲ ውዲትና ክካተት ኣለዎ ብዝብል ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ተቃሊሱ ዘምፀኦ ስርዓት ንምንፃል፣ ካብታ ሓብሒቡ ዘዕበያ ብሕታዊት ውድቡ ህወሓት ንምንፃልን ንበላዒ ንምሃብን መጠነ ሰፊሕ ኣፍራሲ ፕሮፖጋንዳ እንትነዝሑ ንሪኦም ኣለና፡፡ ነዚ ዕላማ ሒዞም ካብ ዝንቀሳቐሱ ሓደ ኣግኣዚያን ዝብል ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጀንዳ እንትገብርዎ ይረአ ኣሎ፡፡ ስለዚ ናይ ኣግኣዚያን ውዲት እንታይነትን ሳዕቤኑን ንምርዳእ እዚ   “ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ከይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል” ዝብል ርእሲ ትንተናዊ ፅሑፍ ተዳሊዩ ኣሎ፡፡ ዝርዝሩ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ካብ ናይ ዝሓለፉ ፅሑፋትና ዝተውሃበ ሪኢቶ በቢ ምዕራፈፍ ወይ ክፋል እንተዝቐርብ ዝብል ስለዝበፅሓኒ ንምንባብ ብዝጥዕም ኣብ ሰለስተ ክፋል ገይርና ነቕርበልኩም ኣለና፡-

* ቀዳማይ ክፋል መእተዊ፣ ኣካልላ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ኣብ ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ እጃም ትምክሕቲ ኣብ ሓድነት ኢትዮ-ኤርትራን

* ካልኣይ ክፋል ኣብ ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ እጃም ሻዕብያ ኣብ ሓድነት ኢትዮ-ኤርትራን፣ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ትምክሕቲ

* ሳልሳይ ክፋል ምንቅስቓስ ኣግኣዚያንን ውዲቱን ምስ መጠቓለሊ

2/ ኣካልላ ሃገራት ኣፍሪካ

ኣፍሪካ ሃገራት ዋላኳ ድሕሪ ብዙሕን መሪርን ቃልሲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ እንተወፃ፣ ግን ድማ ንሕና አፍሪካውያን ነፃነትና ረኺብና ብሰላም ከይንነብርን ውራይ ልምዓትና ከይንገብር፣ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነንባዕልትና ክንናኸስን ክንናቆር ዘግብር ዝተፈላለዩ ቡዙሓት ናይ ዶብ ውዕላት ገዲፎምልና እዮም ከይዶም፡፡ እዞም ውዕላት ድማ ዝተፈላለዩ ትርጉማት ዝህቡ፣ ኣብቲ ሓደ ሃገር ትረኽቦን ኣብቲ ካሊእ ትረኽቦን ሰነዳት ነኒባዕሉ ዘይሰማማዕ፣ ናብ ጎንፂን ኲናትን ዘእቱ ኣብ ሞንጎ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተገበሩ ናይ ዶብ ውዕላት እዩ፡፡ እቲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውዕላት ብቁምነገሩ እንትረአ ፡ ሓደ ብሄር፣ ሓደ ሃይማኖት፣ ዋላውን ሓደ ዓሌት ወይ ቤተሰብ ኣብ ክልተ ሰለስተ ዝመቐለ ውዕላት እዩ ነይሩ፡፡

እዚ ድማ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ንመግዛእቲ ዝጥዕምን ናይ ኣፍሪካ ተፈጥሮ ሃፍቲ ንምቅርማት ዝዓለመ ጂኦግራፊያዊ ኣካልላ እምበር ካሊእ መነባብሮ ህዝቢ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ዓሌት፣ ወዘተ ኣብግምት ዘእተወ ኣይነበረን፡፡ ናይ ከባቢና (ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ) ምስ ኢትዮጵያ ዝዳበዋ ጥራሕ እንተሪኢና ባዕዳዊ መግዛእቲ ንብሄራት፣ ሃይማኖታት፣ ዓሊታት ኣብ ክልተ ሰለስተ ዝኸፋፈለ እዩ፡፡ ንኣብነት

* ትግርኛ፣ ኢሮብኛ ወይ ድማ ሳሆ፣ ኩናምኛ ተዛረብቲ ኣብ ክልተ (ኢትዮጵያን ኤርትራን) ዝኸፈለ፣

* ዓፋርኛ ተዛረብቲ ኣብ ሰለስተ (ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ጁቡቲን) ዝኸፈለ፣

* ሱማልኛ ተዛረብቲ ኣብ ኣርባዕተ (ኢትዮጵያ፣ ጁቡቲ፣ ሶማሊያን ኬንያን) ዝኸፈለ

* ኦሮምኛ ተዛረብቲ ኣብ ክልተ (ኢትዮጵያን ኬንያን)

* ቤንሻንጉል ጉምዝን ጋምቤላን እውን ኣብ ክልተ (ኢትዮጵያን ሱዳንን) ዝኸፈለ

ዘይፍትሓዊ፣ ፀረ ህዝቢ ኣካልላ ኢና ተቐቢልና፡፡ መብዛሕተን አፍሪካ ሃገራት ናፅነተን ምስረኸባ እቲ መግዛእቲ ነዚሕዎ ዝኸደ መርዚ (ናይ ዶብ ውዕላት) ከመይ ጌርና ንከላኸሎ፣ ከመይ ገይርና ካብ ናይ ሕድሕድ ውግእን ንሕንሕን ንወፅእ፣ ከመይ ጌርና ህዝብና ካብ ድኽነትን ድሕረትን ነውፅእ ዝብል፣ ኣንገብጋቢ ሕቶ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ብዙሓት መማረፅቲ ሓሳባት ክቐርቡ ዝኽእልሉ ዕድል ነይሩ ሕዝውን ክለዓል ይኽእል፣ ይለዓል እውን ኣሎ፡፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ካብ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሓሳባት ንምጥቃስ ዝኣክል ባዕዳዊ ገዛእቲ ካብ ከዱልና ካብ ሓንቲ ሑቡራት መንግስታት ኣፍሪካ ዝብል መማረፂ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ኣካልላታት ማለትውን ብሃይማኖት፣ ብብሄር፣ ብቋንቋ፣ ብዓሌት ወይ ጎሳ ንግበሮ ዝብል ሓሳብ ዘይለዓሉ ኣይነበሩን፡፡ ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

* ሓንቲ ሃገር (ሑቡራት መንግስታት ኣፍሪካ) ንኹን እንተኢልና ኣብዝተፈላለዩ ብርክታት ምዕባለን ስልጣነን ኮይንካ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ትምክሕትን ፀቢብነትን ድሕረታት ኣተሓሳስባታት ኮይንካ ብኣዋጅ ሓንቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ምባል ዘይሕሰብን ብዙሓት ከበድቲ ፈተናታት ምግጣሙ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ፡፡

* በቶም ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ ዓሌት ወይ ጎሳ ንግበሮ እንተዝበሃል ነይሩ ምስቲ ኣፍሪካ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንባረን ተኣሳሲሩ ምስቲ ዝሰልጠነን ዝተምሃረ ሓይሊሰብ ዘይብለን ምዃን ተኣሳሲሩ፣ ምስቲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘይወነና ምዃን ተተሓሒዙ ካሊእ ዶብ ምሕንፃፅ ኣፀጋሚ ይገብሮ፡፡ እንኳንዶ ከምዚ ዝበለ ናይ ናፃ መንግስታት ዶብ ንምሕንፃፅ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓዲ /ነፃ መንግስቲ/ ኮይንካ ዝግበር ናይ ወረዳታት ጣብያታት ኣካልላ’ኳ ክንደይ ፀገማት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ንማንም ሕቡእ ኣይኮነን፡፡ ብዝሰልጠኑን ቴክኖሎጂ ዝወነኑን ምዕቡላት ሃገራት ነስርሓዮ ወይ ንሓንፅፆ እንተተባሂሉውን ነዚ ዝኸውን ናይ ወፃእ ሸርፊ ካብዘን ድኻታት ሃገራት ኣፍሪካ ክርከብ ዘይሕሰብ እዩ፡፡

ኩሎም ፀገማት ሰጊርና በዚ ዝበሃል ዘሎ ንሓንፅፆ እንተተባሂሉ ንሃገርና ኢትዮጵያ ድማ ዝህልዎ ፅልዋ ብጣዕሚ ሓደገኛ ይኸውን፡፡ ምኽንያቱ ናፅነታ ሓሊያ ዝነበረት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ክፋላት ክትመቓቐል ዝገብርን እቲ እንኾርዐሉን እንሕበነሉን ታሪክና (ንዘመናት እናተፋረቑ ዝመፁ ዝነበሩ ባዕዳውያን ወረርትን ገዛእትን እናሕፈርካ ናይ ምምላስ ታሪኽ)  ሰብ ዋና ዘይብሉ ነበረያ ነበረ ኮይኑ ክተርፍ ዝገብር ብምዃኑ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ መግዛእቲ ነዚሕዎ ዝኸደ መርዚ (ናይ ዶብ ውዕላት) ከመይ ጌርና ንከላኸሎ፣ ከመይ ገይርና ካብ ናይ ሕድሕድ ውግእን ንሕንሕን ንወፅእ ዝብል ጭንቂ ምላሽ ንምሃብ ብውድብ ሓድነት አፍሪካ መሪሕነት ብምዝታይ ናብ ሓደ መደምደምታ ተበፂሑ፡፡ ንሱውን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ዶብን ውዕላትን ዘይፍትሓዊ፣ ነኒባዕሉ ዝዋቓዕ፣ ብሄር፣ እምነታት፣ ዓሌታት ኣብ ክልተ ሰለስተ ዝመቐለ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ግን ድማ ከምቲ ገዛእቲ ዝሓሰብዎ ዝተፈላለዩ ሮቛሒታትን ውዕላትን እንዳምፃእና ነንባዕልትና ንከይንዋዳእ ቅድሚ ናፃ ምውፃእ ዝነበሩ ናይ ቀረባ ውዕላት ብምኽባር ዝለዓሉ ናይ ዶብ ሕቶታት በዞም ውዕላት መሰረት ብሰላማዊ መንገዲ እናፈታሕና ቀንዲ ውራይና ግን ህዝብና ካብ ዘለዎ ድኽነትን ድሕረትን ዘናግፍ ኣጀንዳ ክንገብር ይግባእ ዝብል ስምምዕነት ተበፂሑ፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝለዓሉ ናይ ዶብ ሕቶታት ድማ ውዕላት 1902ን 1908ን ብምኽባር ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ክንፈትሖ ይግባእ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ካብ ናብ ዘይዛሪ ውግእን ጎንፅን ምብኻን ሃፍትን ምእታው እዞም ውዕላት እዚኦም ሒዝካ ምኻድ ትኽክለኛን ውዲት ባዕዳዊ ገዛእቲ ዘፍሸለን ኣፍሪካዊ መፍትሒ እዩ ምባል ይከኣል፡፡

3/ ርክብ ኢትዮኤርትራ

ናይ ኣፍሪካ ሃገራት ካብ ባዕዳውያን መግዛእቲ ሓራ እንትወፃ ናይ ኤርትራ ጉዳይውን ከም ሓደ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተገዝአት ሃገር ተራእዩ ከመይ ትኹን ? ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ብዙሓት መማረፂ ሓሳባት ዝቐረቡ እንትኾኑ ኣብ መወዳእታ ግን ብናይ ህዝበ ውሳነ ብኣብዝሓ ድምፂ ምስ ኢትዮጵያ ክትከውን ተወሲኑ፡፡ እዚ ውሳነ እንትትግበር ድማ ኣፈፃፅማኡ ብፌደሬሽን መልክዕ ክኸውን ተወሲኑ ተግባራዊ ኮይኑ፡፡ ኣብዚ ጊዜ ኤርትራ ዘመናዊ ሕገመንግስቲ፣ ዴሞክራሲያዊ መረፃታት፣ ናፃ ፕረስ ዘተኣታተወትን ብተነፃፃሪ ምስ ፊውዳላዊ ስርዓት ትኽተል ዝነበረት ኢትዮጵያ እንትነፃፀር ዝሐሸ ዘመናዊነት ስርዓት መንግስቲ ኣብ ምትእትታው ከምዝነበረት መዛግብቲ ታሪክ ይሕብሩ፡፡

3.1/ እጃም ትምክሕቲ ኣብ ሓድነት ኢትዮኤርትራን

ኣብ ሓንቲ ሃገር ብሓደገፅ

* ድሑር ፊውዳላዊ ስርዓት፣ ንጉስ ኣይኽሰስ ሰማይ ኣይሕረስ ብዝብል ፀረ ህዝቢን ፀረ ዴሞክራሲን ዝኾነ ስርዓት፣ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ዝተሰየመን ዘውርዶ ድማ እግዚኣብሄር ጥራሕ ከምዝኾነ እንትወርድውን ብዘርኢ ብትውልዲ ዝሰጋገረሉ ስርዓት፣ ኩሉ ሰብ ማዕረ ከምዘይኮነን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ውን ከምኡ ዝተኣናገድ ከምዝኾነ ብሓፂሩ ድሑር ፊውዳላዊ ስርዓት እንትኾን፤

በቲ ካሊእ ገፅ ድማ

* ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝበፅሕዎ ዘመናዊ ስርዓት ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ናይ መረፃ ስርዓት፣ ናይ ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላት መትከላት ዝተቐበለ፣ መንግስትነት ብውርሲን ብዘርኢን ዘይኮነስ ብመረፃ ክኸውን ቅቡል ዝገበረ ብተነፃፃሪ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዝተቐበለ፤

ኣብ ሓደ ሓገር ክልቲኦም ኣተኣናጊድካ ክትከድ ኣይከኣልን፡፡ እንተሊዩውን ዕድመኡ ሓፂር እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ ብሓደገፅ ንጉስ ኣይኽሰስ ሰማይ ኣይሕረስ ብዝብል ጭርሖ ናይ ንግስነት ወንበር ዕድመ ልክዕ ዝተሓዘሉ ስርዓት፣ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ንጉስ እንተባላሽዩ ካብ ወንበሩ ይግለፍ፣ ህዝቢ ክሳብ ዝኣመነሉ ኣብ ወንበር ይፀንሕ፣ ንግስነት ድማ ኣብ በቢ ውሱን ዓመታት ህዝቢ ዘድምፀሉ/ዝውስነሉ ዝብል ስርዓት ኣብ ሓደ ሃገር ክኸዱ ኣይኽእሉን፡፡ ብዘይምንም ጥርጥር እቲ ንጉስ ኣይኽሰስ ሰማይ ኣይሕረስ ብዝብል ስርዓት ዝመሓደር ህዝቢ ብቐጥታ ተላዒሉ ነቲ ስርዓት ከምዘፍርሶ፤ ወይከዓ እቲ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተቐበለ ሓይሊ ናብቲ ኣብትሕቲ ንጉሳዊ ስርዓት ዝመሓደር ህዝቢ እናሰረፀ ከይዱ ኣብ መወዳእታ ከምዝድምስሶ ፍሉጥ እዩ፡፡

በዚ መሰረት እቲ ንጉሳዊ ስርዓት ነዚ ኩነታት ብደንቢ ተንቲኑ ብምርኣይ እቲ ህዝቢ ከይቀደሞ ክቕድም ኣለኒ ብዝብል ነቲ ናይ ዴሞክራሲ ኣመራት ሒዙ ክንቀሳቐስ ዝጀመረ ናይ ኤርትራ ፌደሬሽን ብፀረ ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ነቲ ብህዝበ ውሳነ ናብ ስልጣን ዝመፀ ሓይሊ ተቖፃፂሩዎ፣ ዝነበረ ሕገመንግስትን ባንዴራን ብምርጋፅ ኩሉ ብስዩመ እግዚኣብሄር ዝፍለጥ ኑጉሳዊ ሕገ መንግስቲን ብባንዴራን ክመሓደር ገይሩ፡፡ ብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ እዩ እምባር ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ንጉሳዊ ስርዓት ብረት ዘልዓለ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ብረት ምልዓሉ ትኽክል እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ መጀመሪያ ብናይ ባዕሉ ምርጫ ምስ ኢትዮጵያ ይሓሸኒ ኢሉ ብምምራፁ ግን ድማ በቲ ሽዑ ዝነበሩ ናይ ትምክሕቲ ስርዓት ብፀረ ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ናፅነቱ ዝግህስ ተግባራት ብምፍፃሞም ንመሰሉ ከኽብር ምልዓሉ ኣየውቅሶን፣ እኳ ዳኣ ፅቡቕ ኣብነት ንካልኦት ውፅዓት ህዝብታት ብምዃኑ የሞግሶን የመስግኖን፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት እንትመርፅ፣ ካብቲ ዝነበሮ ባርነትን መስካሕክሒ መግዛእቲ ባዕዳውያን ገዛእቲን፣ ምስ ኣሓተይ ይሓሸኒ ሓድነተይ ይሓሸኒ፣ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሓትና ኮይንና ባዕልትና ንውስነሉ ስርዓት ወኒንና ክንዓብን ክንለምዕን ንኽእል ኢና ብዝብል እዩ፡፡ እቲ ዝረኸብዎ ግን ብግልባጡ ኮይኑ፣ ጀሚሩዎም ዝነበሩ ዘመናዊ ምሕደራ መንግስትነትን ዴሞክራሲያዊ ኣመራትን ብምምንጣል ናብቲ ዱሑር ዘውዳዊ ስርዓት፣ ስዩመ እግዚኣብሄር ስርዓት፣ ንጉስ ኣይኽሰስ ሰማይ ኣይሕረስ ስርዓት ምስ መለሶም ብረት ከልዕሉ ተገዲዶም፡፡

ትምኽሕቲ ስርዓት ኤርትራ እንትብሉ ወደባን ተፈጥሮ ሃፍታን ብምድላይ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣይምንታዮምን፡፡ ስለዝኾነውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣዕራብ ብምትሕሓዝ ኣዕራብ ንዓና ንኢትዮጵያ ናይ ክርስትያን ደሴት ብምዃና ጎሮሮና ሓኒቆም መተንፈሲ ከስኡኑና እዮም ሻዕብያ ጀብሃ ፈጢሮም፣ ሻዕብያን ጀብሃን ንኤርትራ ብፔትሮ-ዶላር ክሸጡ እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ ብዝብል ውስልትና፣ ሕቶ ህዝቢ ንምጭፍላቕ ናብ ጭፍጨፋ ኣትዮም፡፡ ብምዃኑውን ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምጭፍላቕ ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ቁፅሪ፣ ናይቲ ህዝቢ ናይ ሓድነት ድሌቱ ብኡ መጠን ካብ ጊዘ ናብ ጊዘ እናቐነሰ እናቐነሰ ክኸድን ኣብ መወዳእታ ኣብ እዋን ደርጊ መሊኡ ክጠፍእን ገይርዎ፡፡

3.2/ እጃም ሻዕብያ ኣብ ሓድነት ኢትዮኤርትራን

ሻዕብያ ገና ካብ መቦቆሉ ፀረ ህዝቢን ፀረ ዴሞክራሲን ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፅሑፋተይ ገሊፀዮ እየ፡፡ ሻዕብያ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊታት ዝፈልዮ ነገር እንተሃለወ ኤርትራዊ መቦቆል ምዃኑምበር ኣብ ኩሎም ተግባራቱ ያው ናይ ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን ምዃኑ፣ ጨና ህዝባዊ ውግንናን ጨና ዴሞክራሲያዊ ባህሪ ዘይብሉ ምዃኑ ካብ ብገናኡ እናሃለወ ዝፍለጥ እንተኾነውን፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሻዕብያ ዝፍፅሞም ዝነበረ ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን ተግባራት፣ ኩነታት መሪር ቃልሲ ዝፈጠሮ ናይ ኣፈፃፅማ ፀገም‘በር ካብ ፀረ ህዝቢ ባህሪ ሻዕብያ ዝብገስ ኣይኮነን ዝብል ቀሊል ኣይነበረን፡፡

ድሕሪ ነፃነት ምርግጋፅ ድማ ነቲ ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን ተግባራቱ ብዝኸፍአ ደረጃ ምፍፃም ምስጀመረ ግን ሐዚ ኣብ መንነት ሻዕብያ ዝጠራጠር የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኾንን፡፡ ናይዚ መረጋገፂ ሻዕብያ መንእሰይ ኤርትራ ፣ ኣዴታት ኤርትራ፣ ዓበይቲ፣ ሽማግለታት፣ ኣካለ ስንኩላት ቆልዑ፣ መገልገልቱ ወታደራቱ ከይተረፉ ፍቆዶ ስደት ራሕሪሖምዎ ዝኸዱን ዝተፈንፈነ ስርዓት ምዃኑን እዩ፡፡

ሻዕብያ ካብቲ ፀረ ህዝቢ ባህሪኡ ብምብጋስ ንህዝቢ ብፀላኢነት ዝፍርጅ፣ ስርዓትን ህዝብን ፈላሊዩ ዘይርኢ ህልም ዝበለ ፀረ ህዝቢ እዩ፡፡ ሻዕብያ ደርጊን ህዝቢ ኢትዮጵያን፣ ዘውዳዊ ስርዓትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ፈላሊዩ ዘይርኢ፣ ስርዓት ትምክሕትን ህዝቢ ኣምሓራን ፈላሊዩ ዘይርኢን ንኩሎም ሓዋዊሱ ከም ፀላእቲ ዝፍርጅ ፀረ ህዝቢ እዩ፡፡  ብምዃኑውን ደርጊ ምስዓር ማለት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምስዓር ማለት ገይሩ ይወስድ፡፡

ስርዓታት ትምክሕት ንመላእ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንኮላይ ንህዝቢ ኣምሓራ ኣስካሕካሒ መግዛእትን ወፅዓን ኣብፂሖም እናሃለዉ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ፉሉይ ወፅዓ ዝገበሩ ንቲ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ከምኡ ከምዘይኮኑ፣ ብፍላይ ህዝቢ ኣምሓራ ግን ካብ ነፍጠኛን ትምክሕቲ ስርዓት ተረባሕቲ ከምዝነበሩ ገይሩ የለዓዕል፡፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቲቪ-ኤረ ዝመሓላለፍ ፕሮፖጋንዳ ደርፍታቶም፣ ድራማታቶም፣ ዛንታታቶም፣ ቀልዲታቶም፣ ትምህርታቶም ኩሉ ደርግን ህዝብን፣ ዘውዳዊ ስርዓትን ህዝቢን ዝፈሊ ዘይኮነስ ብኣልማሚት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ፀላኢ ገይሩ ዝፍርጅ እዩ፡፡

ከምቲ ናይ ደርጊ ፀረ ህዝቢ ባህሪ ብዛዕባ ዓዲ እንትሓስብ መሬታን ኣብኣ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን እምበር ንህዝቢ ፈፂሙ እዝኒ ዘይህብ፣ ሻዕብያውን ከምኣ ብዛዕባ ኤርትራ እንትሓስብ ኤርትራ ዘለዋ መሬት፣ ተፈጥሮ ሃፍቲ ማዕድናት ወዘተ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ እዝኒ ኣይህብን፡፡ ደርጊ ይኹን ዘውዳዊ ስርዓት ሃገርና ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ኢሎም እንትጭርሑ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩ፣ ከመይ ክተኣናገድ ይኽእል፣ ዝብል ንጎኒ ብምግዳፍ ንሕቶ ህዝቢ ዘይኮነ ሽማ-ሽም ብምሃብ /ኤርትራ ንዓረብ ክሸጥዋ ደሊዮም ብዝብል/ ናይ ኢትዮጵያ ካርታ ክበላሾ እዩ፣ ወደብ ክንስእን ኢና፣ ኤርትራ ከይዳ ማለት ጎሮሮና ተዓፂያ ማለት እዩ፣ ወዘተ ብምባል እቲ ህዝቢ ብኣልማማሚት ይጭፍጭፉ፣ መሬቱምበር ህዝቡ ኣየድልየናን ብዝብል “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ክነፅፍ ኣለዎ” ኢሎም ህዝቢ ንምንፃፍ ዝፈተኑ ፀረ ህዝቢ ነይሩ፡፡

እዚ እንትገብሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዚኖም፣ ጎሮሩኡ ከይዕፆሞ መተንፈሲ ስኢኑ ከይመውት ኣይኮነን፡፡ እዞም ስርዓታት ትምክሕቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፀረ ህዝቢ ተግባራት እንትፍፅሙ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያውን ካብ ባህሪኦም ዝብገስ ብዘይምንም ኣፈላላይን ብዘይ ምንም ርህራሀን ፀረ ህዝቢ ተግባራት ይፍፅሙ ነይሮም፤ ፀረ ህዝቢ ኩሉ ጊዘ ፀረ ህዝቢ እዩ፡፡

ሻዕብያውን ካብቲ ናይ ፀረ ህዝቢ ባህሪኡ ዝብገስ ኤርትራ እንትብል ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚት ኣየምፅእን፣ ከምቲ ደርጊ ዝብሎ ኣብ ክንዲ ረብሓታትን መሰላትን ህዝቢ ዘቐድም፣ ኤርትራ ብዘለዋ ስትራቴጂያዊ ቦታ ከምቲ ደርጊ ዝብሎ ጎሮሮ ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ጎሮሮ ዓፂና ንሕና ንቆፃፀራ ዝተዳኸመት ኢትዮጵያ ብምፍጣር፣ ባዕልና ንውስኖ ክራይ ክንእክብ ኢና፣ ነፃነት ረኺብና ማለት እንተይሰራሕና ኮፍ ኢልና ክራይ እናኣከብና ኩሉ ወርቂ ብወርቂ ክንገብሮ ኢና፣ ንኩሉ ዜጋ ዋላውን ኣብ ከብዲ ኣዴኡ ዘሎ እንተይተረፈ ወርሓዊ መሃያ ክንገብረሉ ኢና፣ ናይ ኤርትራ ተፈጥሮ ሃብቲ እንተይተንከፍና ፋብሪካታት ሃኒፅና ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ እንኮላይ ኢትዮጵያ ኣቲና ናይ ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን ብምጥቃም ብናይ ኣፍሪካ ሃገራት ጉልበት ተጠቒምና ተመሊስና ውፅኢት ፋብሪካ ብክባር ብምሻጥ ቀልጢፍና ሲንጋፖር ክንኮን ኢና ወዘተ ዝብሉ ናይ ክራይ ኣካብነት ፕሮፖጋንዳታት ይንዝሑ ነይሮም፡፡ ምንዛሕ ጥራሕ ኣይኮነን ብተግባር እውን ምትግባር ጀሚሮምዎ ነይሮም፡፡

ኣብዙ ጊዜ እዚ ዝኾነ ዕንቅፋት ዝፈጥር ስርዓት ወይ መንግስቲ እንተጋጥም ድማ ብሓይሊ ንምብርካኽ ሰፊሕ ወታደራዊ (ናብ 10% ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝፅጋዕ) ሓይሊ ሃኒፆም፣ ናይ ዶብ ሰበባ-ሰበብ ብምፍጣር ዘይለኸፍዎ ጎረቤት ኣይነበረን፡፡ በዚ ቅጥፈትን ናይ ክራይ ኣካብነትን ተግባራት ሻዕብያ ሓደ እዋን ኤርትራ ብኮንትሮባንድ ቡና ኤክስፖርት ብምግባር ቅድሚ ኢትዮጵያ ተሰሪዓ ነይራ፡፡

ኤርትራ ነፃነት ረኺባ ማለት ኤርትራዊ ዜጋ ኮፍኢሉ ወደብ ብምጥራዩ ጥራሕ ኢትዮጵያ ብትህቦ ክራይ ፋብሪካ ብፋብሪካ ክትኮን ዓዲ፣ ሸቃላያ ካብ ዓጋመ (ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ማለቶም እዩ)፣ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብፍላይ ናይ ሕርሻ ፍርያት ካብ ኢትዮጵያ፣ ሻዕብያ ድማ ኮብራሪ ክኾን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኮፍ ኢሉ ካብ ሻዕብያ ዝወሃቦ ትካቦ ክፅበ ዝብል ሕልሚ ነይሩ ሻዕብያ ዝሓልሞ፡፡  ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን ዝህሉ ዝምድና ከምቲ ጣልያን ኣብ ፀለምቲ ኣፍሪካውያን ዝገብሮ ዝነበረ፤ ጎረባብቲ ህዝብታት ሸቀልቲ ክኾኑ እኒ ሻዕብያ ድማ ከም ጣልያን ገዛእትን ኮብረርትን ክኾኑ ነዚ ተግባራዊ ዝገብር ፖሊሲታት ሓንፂፆም እዮም ምንቅስቓስ ዝጀመሩ፡፡

ኣብታ ምስ ስርዓት ሻዕብያ ዝነበረትና ሓፃር ናይ ርክብ ጊዜ /7-8 ዓመት/ ብሻዕብያ መዳይ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣብ ምትሕልላይን ምጥቕቓምን ዘይኮነስ ኣብ ምንሻው ዝተመስረተ ኣብ በለፅን ትምክሕትን ዝተመስረተ፣ ኣብ ምጭብርባርን ምትላልን ዝተመስረተ ርክብ፣ ሕሉፍ ወፅዓታት ናይ ምክሕሓስ ወይከዓ ምውርራድ ስራሕ ምስራሕ እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ባህሪ እዚ ሐዚ ዝተላበሶ ዘይኮነስ ገና ካብ መቦቆሉ ሒዝዎ ዝመፀ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ መፂኡ እዩ፡፡

ጥቕልል ኣቢልካ እንትረአ ብደርግን ብዘውዳዊ ስርዓትን ዝነበረ ኣተሓሕዛ፣ ብሻዕብያን ጀብሃን ዝነበረ ናይቲ ቃልሲ ኣተሓሕዛ ኩሎም ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን ካብ ምዃኖም ዝብገስ ብፀረ ህዝቢ ይሕዝዎ ስለዝነበረ፣ ህዝብን ስርዓትን ፈላሊዮም ዘይኸዱ ስለዝነበረ፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምቅሕሓር ክፍጠር በቢወገኖም ይሰርሑ ስለዝነበሩ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ሓድነት ስምዒት ጠቕላላ ክመውት እዩ ተገይሩ፡፡ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ኸባቢ ብወፅዓታት ዘውዳዊ ስርዓት ሃገርናን ብስርዓት ደርግን ዝተሳቐቑ ገለ ኤርትራውያን ንኢሳያስ ኣፈወርቂ  “እንታይ ኢካ ትገብር ዘለካ እቲ ወደብ ወይ እቲ ጎሮሮ ዘይንዓፅዎ ? ኢሎም ዝሓተትዎ

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሪፈረንደም ውሳነ እንትውሰን ኢትዮጵያውያን ኣሓቱ ከምዝኾንና፣ ተመሳሳሊ ብሄር ከምዝኾንና፣ ተመሳሳሊ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ እምነት ከምዘለና ዝነግሮ ስለዝሰኣነ እዩ ናፅነቱ መሪፁ ዝብሉ እንተሊዮም፣ ንሶም እዮም ገርሂታት፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኩሉ ፈሊጡስ ኣብ ሃ/ስላሰ ጊዜ ሓድነት እኳ መሪፁ፣ ግንድማ ትምክሕቲ ሓይሊታት ብዘውረዱልና መስካሕክሒ ወፅዓ፣ ሓድነተይ ክንድዝመረፅኩ፣ ካብ ናይ ፀዓዱ መግዛእቲስ ናይ ኣሓተይ መግዛእቲ ገዲዱኒ፣ ቀደሙ ኸ ስርዓት ትምክሕትን ነፍጠኛታትን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ምእንቲ ስልጣኖም ክሕልዉ ንዓና ምስ ጣሊያን ተሰማሚዖም ን60 ዓመት ንባዕዳውያን እንድዮም ሸይጦምና ዝብሉ ስሚዒታት ካብ ጊዘ ናብ ጊዜ እናገበሉ መፂኦም፡፡

ናይ ሻዕብያ ፕሮፖጋንዳ ህዝብን ስርዓትን ዘይፈሊ ብምንባሩ ነቲ ዝነበረ ናይ ሓድነት ኣማራፂ ጠቕሊሉ ክቅህም ገይርዎ፡፡ ብምዃኑውን ህዝቢታት ኤርትራ ኣብ እዋን ሪፈረንደም ምስ ኢትዮጵያ ብጉርብትና እምበር ሓድነት ማለትስ ባርነት እያ ኢሎም ደምዲሞም፡፡

4/ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ትምክሕቲ

4.1/ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ

ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ከም ስርዓት ሻዕብያ ደቂሱ ናይ ሕልሚ እንጀራ ኣይኮነትን ዘስተማቕር ዝነበረ፡፡ ኣብ ብጣዕሚ ብዙሓት ሪፎርምታት፣ ለውጥታት ተሃድሶታት፣ ዳግመውደባታት፣ ስልጠናታት ወዘተርፈ ብምትእትታው፣ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዘመና ሪኣቶ ብዘይትፈልጥ ምንቅስቓሳት ትሕቆን እያ ነይራ፣ ሳላ ዝተሓቖነትውን እነሆ ጠስሚ ምውፃእ ጀሚራ፡፡ ህዝብና ንዘመናት ኣብ ሞቑሕን ዓፈናን ዝነብር ዝነበረ እነሆ ናይ ነፃነት ናይ ዴሞክራሲ ንፋስ ከተንፍስ ካብ ዝጅምር 26 ዓመታት ኣቑፂሩ፡፡

ነፃ ኮይንካ ምዝራብ፣ ዝመሰለካ ምንቃፍን ምንኣድን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ምውፃእ፣ ንተቋውሞ ምድጋፍ ዘይሕሰበሉን እንትትርከብ ናይ መርሸንቲ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ዝነበረ ጊዜ ሓሊፉ እነሆ ሰብኣውን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ካብ ዝኽበር 26 ዓመታት ኣቑፂሩ፣ ሐዚ ኣብ ሃገርና ልዕሊ 75 ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመዝገቡ ተቋወምቲ ፓርቲታት እንትንቀሳቐሱ ኣብዝሓለፈ 5ይ ሃገራዊ መረፃ እቶም 65 ፓርትታት ተሳቲፎም ዕድሎም ሞኪሮም እዮም፡፡ ብልምዓት መዳዩውን መፍረይነት ሕርሻና ኣዝዩ ብምዕባዩ ንዝመፅእ ናይተፈጥሮ ሓደጋታት /ድርቂ/ ምፅዋር ጀሚሩ ኣሎ፤ ሰፋሕቲ መሰረተ ልምዓታት ተሃኒፆም፣ ልዕሊ ¼ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወይከዓ ልዕሊ 1/3 ህዝቢ ትግራይ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ይርከብ፣ ጣብያታት ክልልና መምስ ወረዳ ዘራኽበን ፅርጊያ ተሰሪሑለን ኣዴታት ብኣምቡላንስ ተጓዒዘን ኣብ ጥዕና ትካላት ምውላድ ጀሚረን፣ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ብዕሊ ነኪዩ፡፡

ከተማታትና በቢዓመቱ ይዕምብባ ኣለዋ፣ ዳርጋ 30% ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከተማ ነባሪ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ነባራት ከተማታትና ብዓሰርተ ዕፅፍታት ዓብየን ይርከባ፡፡ ካብ 3 ፎቕ ንላዕሊ ዘይፍቀደላ ዝነበረት ትግራይ ሎሚ ከተማ መቐለ ገዲፍና ካልኦት ከምኒ ሑመራ፣ ሽረ፣ ሸራሮ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፡ ዓብዪ ዓዲ፣ ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ ማይጨው፣ ኮረም፣ ኣላማጣ እንተወሲድና ባዕለን እተን ከተማታት ይዛረባ፡፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዓዲግራት ክሳብ ኣስመራ ዝነበረ መስመር ጥራሕ ኣስፋልት ዝነበረ፣ እሱውን ብታንክታት ተፋሒሩ ካብ ፀፀር መንገዲ ዘይሐይሸሉ ብርኪ በፂሑ ዝነበረ እንትኾን፣ ሐዚ ካብ ጫፍ ዋጃ ክሳብ ዛላንበሳ ካብ ኣላማጣ ብሞኾኒን ካብ ኣላማጣ ብኮረም ማይጨውን ናብ መቐለ፣ ካብ ዓዲግራት ሽረ ሸራሮ – ሑመራ፣ ካብ መቐለ ዓብዪ ዓዲ ዓድዋ፤ ካብ ሽረ ማይ ፀብሪ፣ ካብ ሽረ ዳንሻ፣ ካብ ሽረ ወልቃይት ካብ ፍረወይኒ ሓውዜን ዓብዪ ዓዲ፣ ወዘተርፈ ብጣዕሚ ብዙሕ ማይ ዝመስል ደረጅኡ ዝሓለወ ኣስፋልት ተሃኒፁ ኣሎ፡፡

ካብ ትግራይ 10ን ልዕሊኡን ዓመት ዝተፈለየ ሰብ ተመሊሱ እንትሪኣ ብመሰረቱ ዝተቐየረት ክልል ወይ ዝተቐየራ ወረዳታትን ከተማታትን እየን፡፡ እዚ ንኣግኣዚያን ኣይረአዮምን ምኽንያቱ ብዘመነ ሚሊሊኽ ዝዓወረ በቃ ናይ ዘመነ ሚሊሊኽ ጥራሕ እዩ ዝረኣዮ፡፡ ነዚ እዩ ትግራይና ሳላ ሓብሒባ ዘዕበየታ ብሕታዊት ውድባ (ህወሓት)፣ ሳላ ቅኑዕ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመርን ን26 ዓመት ተሓቚና ተሓቝና ጠስሚ ኣውፂኣ ከተማታትናን ገጠራትናን ቀባእባእ ኢለን ኣለዋ ንብል፡፡

4.2/ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ

ብኣንፃሪ ስርዓት ሻዕብያ ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ደቂሱ ናይ ሕልሚ እንጀራ እንተስተማቕር ብሕልሚ ፈርገጥገጥ እናበለ ንጎረባብቱ እናተራገሐ እዩ ጊዚኡ ዘሕለፎ፡፡ ብሕልሙ ታይዋን ኮይኑ እንትረኣዮ ብርግሒት ንሱዳን፣ ኮርያ ኮይኑ እንትረኣዮ ንጁቡቲ፣ ሲንጋፖር ኮይኑ እንትረኣዮ ድማ ንኢትዮጵያ እናረግሐ ዘበራብሮ ስኢኑ ክሳብ ሎሚ ናይ ሕልሚ እንጀራ ኣብ ምስትምቓር ይርከብ፡፡

ሻዕብያ ሐዚ ወግዑ፣ ዘረባኡ፣ ፕሮፖጋንዳኡ፣ ኩለመናኡ ብዛዕባ ሻዕብያን ደርግን ዝገበርዎ ኲናት፣ ዕለታዊ ዜናኡ ናይ ሃገራት ዕግርግርን ኲናትን ዝፈንድኡ ቦንብታትን ዝሞቱ ሰባትን ኣብ ምቑፃር ይርከብ፡፡ ፈነወ ቴሌቪዥን ኤርትራ (ኢሬ-ቲቪ) እንተወሲድና 5 ደቒቓ ንናይውሽጢ ዓዲ ዜና 20 ደቒቓ ንናይ ደገ ዜና /ዜና ዕግርግር/ ብምሽንሻን ዓለምና ትሕመስ ከምዘላ ኤርትራ ጥራሕ ከም ደሴት ሰላምን ምርግጋዕን ዝዓሰላ ከምዝኾነት ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ሻዕብያ ሰላምን ምርግጋዕን ረኺቡ ከምዘሎ ዝሕብር ግጉይ ኢንፎርሜሽን ኣብ ዘመነ ኢንፎርሜሽን እንተናፍስ ንሰምዕ ንርኢ፡፡

ቅድሚ 3 -4 ዓመት ሻዕብያ ብዘውፀኦ ፀብፃብ ኣብ ኤርትራ 600 ሽሕ ዜጋ ጥራሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝነበረ እንትገልፁ ኣብ ትግራይ ሽዑ 25%  ህዝቢ ኣብ ምምሃር ነይሩ ሐዚ 30% በፂሑ ናይ ኤርትራ ግን ካብቲ ዝተጠቐሰ ብዙሕ ኣይዘልልን፡፡ ብሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት መዳይ እንትረአ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ እዋን ፌደሬሽን ምስትምቓር ጀሚሩዋ ዝነበራ ናይ መረፃን ናይ ናፃ ፕረስን ዕድላት ይትረፍ እሞ ካብታ ደርጊን ሃ/ስላሰን ዝፍፅምዋ ዝነበሩ ወፅዓን ዓፈናን ንላዕሊ ወይ ብዝኸፍአ መንገዲ ሻዕብያ ስለዝቐፀለሉ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ይርከብ፡፡

ሎሚውን ኣብ ስርዓት ሻዕብያ ነፃ ኮይንካ ምዝራብ፣ ዝመሰለካ ምንቃፍን ምንኣድን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ምውፃእ፣ ንተቋውሞ ምድጋፍ ዘይሕሰበሉን እንትትርከብ ሃለዋትካ ኣበይ ከምዘእተውኻ ዘይፍለጠሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፡፡ ከተማታት ኤርትራ እንትንርኢ እተን ኣናእሽቱ ከተማሞ ንግደፈን ኣስመራኳ እንተርኢና ከምቲ ናይሓደራ ኣቕሓ ኣቐምጠለይ ዝተብሃለ ይመስል ከምታ ዝገደፍናያ ኣላ፡፡ መሰረተ ልምዓታት ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ኢህወዴግ ንሃገርና ኢትዮጵያ 26 ዓመት ሓቚኑ ጠስሚ እንተውፅእ ሻዕብያ ግን 26 ዓመት ድቃሱ ይሕንፍፍ ኣሎ፡፡

4.3/ ፀባን ጠስምን ከመይ ተወሃህዶ?

ፀባን ጠስሚን ብሓደ ክትሓውሶ ኣይትኽእልን፡፡ እንተደለኻውን ክኾነልካ ኣይኽእልን፡፡ ፀባን ጠስምን ክተወሃህዶ እንተደሊኻ መጀመሪያ ነቲ ፀባ ዝግባእ ጊዘን ሙቐትን ሂብካ ሓቒንካ ጠስሚ ምስኣውፃእካ ኢኻ እቲ ጠስሚ ምስቲ ጠስሚ ክትሓውሶ ትኽእል፡፡ ስለዚ ክልተ ዝተረሓሓቁ ህዝብታት መጀመሪያ ኣቀራሪብካ፣ ሙቀት ፈጢርካ ናብ ሓደ ብርኪ ምስኣብፃሕካዮም ጥራሕ እዮም እንተተወሃሂዶም ብውህደቶም ዝርብሑን ሑጉሳት ዝኾኑን፡፡ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ውህደቶም ፀገም ምፍጣሩን ነቲ ዘሎ ኣፈላላይ እናግዘፎ ዝኸድን ውዒሉ ሓዲሩ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ፀገም ምእታዉ ኣይተርፍን፡፡

ንኣብነት ኒዮ ሊበራሊዝም እንትገንን ናይ ሩስያ ምፍርራስ እንትጅምር ኣብ ጀርመን (ምዕራብን ምብራቕን ጀርመን) ብድፍኢት ክልቲኡ ህዝብታት ዝነበረን ሓፁር መንደቕ ኣፍሪሰን ተፈላሊዮም ዝነበሩ ኣሓት ህዝብታት ተሓዋዊሶም፡፡ እዚ በቲ ዘርኢ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት መትከል ብምትሕውዋስ ቤተሰባዊ፣ ሓድነታዊ ስምዒት ዝፈጠረ እንተኾነውን ናይ ባዕሉ ዘይንገር በሰላታትውን ፈጢሩ እዩ፡፡ እሱውን እንትሕወሳ ክልቲኤን ጀርመን ኣብ ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ብርኪ ዕብየት ስለዘይነበራ ናይ ኢኮኖሚ ውህደት እንትመፅእ ቅሬታታት፣ ስክፍታታት ዝፈጠረሉ ኩነታት ኣሎ፡፡

ክልቲኤን ጀርመን ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ዕብየት ብዘይምህላወን ኣብ ተመሳሳሊ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ብዘይምንባረን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ዝርገሐ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ቴክኖሎጂ ወዘተ ብዘይምንባረን ናብ ተመሳሳሊ ብርኪ ንምምፃእ ተወሳኺ ወፃኢታት ፅዕንቶታት ምፍጣር ተጀሚሩ፡፡  በቲ ምዕቡል ዝበሃል ወገን “ኣነኮ ንታ ዘይማዕበለት ጀርመን ካብ እቶተይ 5-10% ይድጉማ እየ ዘለኹ” እንትብል በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ናይ ትሕትነት ስምዒታት፣ ማዕረ ዘይምዃን፣ ኣነ ናይቶ ካልኦት ከዳሚ ኮይነ ወዘተ ዝብሉ ስክፍታን ዓርሰ ምትሓትን ይንፀባረቑ፡፡

ናይ ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝሕወሱ ህዝብታት፣ ክልቲኦም ኣብ ተመሳሳሊ ድሌት ምህላው ጥራሕ እኹል ኣይኮነን ተመሳሳሊ ብርኪ ዕብየትን ተመሳሳሊ ባህሊ ዴሞክራሲን ምክእኣልን ክህልዎም ይግባእ፤ እቲ ውህደት ኣብ እንካ ሃባ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ፣ ወሃቢን ተቐባሊን ጥራሕ ዘለዎ ሓድነት ሓድነት ኣይኮንን ኣዛዚን ተኣዛዚን እዩ ዝህሉ፡፡ እዚ እንተኾይኑ ድማ ሓድነት ህዝብታት ማዕርነት ዜጋታት ኣይረጋገፅን፣ እዚ እንድሕር ዘይተረጋጊፁ ድማ ሰላምን ምርግጋዕን ኣይህሉን፣ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ግጭት ሕድሕድ ይእቶ ንክልቲኡ ወገናት ዘይጠቅም ዕንወት የስዕብ፡፡

ብናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ሓድነት ክልተ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክረጋገፅ ዝኽእል ኣብ ነዊሕ እዋን ብከይዲ ሰላማዊ ጉርብትና፣ ብኸይዲ ህንፀት ዴሞክራሲየያዊ ባህሊ ኢሉውን ብስጡም ኢኮኖሚያዊ ርክብን ምትእስሳርን ብምፍጣር ናብ ሓደ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ዘምፅእ እንተዘይኮይኑ፣ ከምቲ ናይ ኣግኣዚያን ንሰምዖ ዘለና ብታሪካዊን ባህላዊን ጉዳያት ጥራሕ ተሓፂርካ ውህደት ምጭራሕ ንክልቲኡ ወገን ዝጠቅም ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ህዝቢታት ኤርትራ ታሪካዊን ባህላውን ማሕበራዊን ኤኮኖሚያዊን ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ባዕሎም ምርጫ መሪፆም ዝሓደሩ ህዝቢታት እዮም፣ ኢትዮጵያውያን ተጋሩውን ሐዚ ምስኦም ዘድልየና ምርጫኦም ኣኽቢርና ሰላማዊ ጉርብትና ሃሊዮና ውራይ ልምዓትና ክንገብር ጥራሕ እዩ፡፡

ፉሉያት ተሓለቕቲ እናመሰሉ ከምዚባ ነይሩ ከምዚባ ክኾን ይግባእ ዝብሉ ዘመናዊ ናይ ፀበብቲን ተስፈኛታት ትምክሕቲን ሓይሊታተ (ኣግኣዝያን) ቦታ ክወሃቦም የብሉን፡፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን በቃ ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት እየን፡፡ ሐዚ ንሕና ኢትዮጵያውያን ጊዜ ዘይህብ ዋኒንና ውራይ ድኽነት ምጥፋእ እምበር ውራይ ኤርትራ ኣይኮነን፤ ውራይ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምርግጋፅ ሰላምን እምበር ውራይ ውህደት ኣይኮነን፡፡ ንሕና ሐዚ ውራይ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲን ብምግባር ንመፃኢ ወለዶ ከም ኣቦታትና ዘውረሱና ድሕረትን ድኽነትን ንሕናውን ከም ሓደራ ኣቕሓ ድሕረትን ድኽነትን ክነውርሶም የብልናን፡፡ ንሕና ከነውርሶም ዘለና ልምዓትን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን እዩ፡፡

ውህደት ሐዚ ኣይ ጊዚኡን፡፡ ውህደት ንክህሉ ዘገድድ ነገር የለን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሐሾ ስለዝመረፀ፣ ንሕና ምርጭኡ ክነኽብረሉ እዩ ዝደሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሐዚ ዘድልየና ፅቡቕ ጉርብትና፣ ምትሕልላይ፣ ምድግጋፍ እዩ፡፡ ብዛዕባ ውህደት ደቅና ይሕሰቡሉ፡፡

5/ ምንቅስቓስ ኣግኣዚያንን ውዲቱን

5.1/ ምንቅስቃስ ኣግኣዚያን

ናይ ኣግኣዚያን ኣተሓሳስባ እንትረአ ናይ ሽም ኣፈላላይ እንተዘይኮይኑ ካብ ደርጋዊያን፣ ንጉሳውያን (ትምክሕታውያን) ስርዓታት፣ ካብ ናይ ሻዕብያ ስርዓት ፈፂሙ ዘይፍለ ህልም ዝበለ ፀረ ህዝቢ እዩ፡፡

* ንጉሳዊን ደርግን ስርዓት መሰል ብሄር ብሄረሰባት ብምዕፋን ብሽም ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ኣብ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብሄራዊ ወፅዓ የብፅሑ ነይሮም፣ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ መንነቶም ክክሕዱ፣ መንነቶም ብሽም ሓንቲ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ናይ ኣምሓራ መንነት ክሕዙ፣ ብቋንቋኦም ከይመሃሩ፣ ከይዳነዩ፣ ከይዛረቡ ፅዕንቶታት ይገብሩ፡፡ ነዚ ዘይፍፅም ከም ካልአዋይ ዜጋ ዝረኣየሉ ጉዳይ ነይሩ፡፡

* ቅዋም ወይ መርገፂ ስርዓት ሻዕብያውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከዓ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ህዝቢ ፀላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፣ ከምቲ ደርጊን ዘውዳዊ ስርዓትን ዝብልዎ መሰል ብሄር ብሄረሰባት ዝበሃል ክለዓል ከምዘይብሉ፣ ንሓድነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝኾነ ብግልፂ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ከዓ ፀረ ህዝብነት እዩ፡፡

* ናይ ኣግኣዚያን ኣተሓሳስባ ድማ ንህዝቢ ብዘርኢን ብሃይማኖትን ብምፍላይ ገሊኡ ፈታዊ ገሊኡ ፀላኢ ገይሩ ዘቐምጥ እዩ፡፡ ህዝቢ ኣምሓራ ንህዝቢ ትግራይ ትግርኚ ፀላኢኡ ከምዝኾነን ደቂሱሉ ከምዘይሓድርን፣ ህዝቢ ትግራይ ትግርኚውን ንህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢኡ ከምዝኾነ፣ ኣስላማይ ከሓዲን ዓዲ የብሉ ዓውዲ የብሉ፣ ሰጥለበጥ ኢሉ ዝነብር እንተኾይኑ ግርም እንተዘይኮይኑ ግን ትግራይ ትግርኚ ለቒቑ ክኸድ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ካልኦት ኣብቲ ኣግኣዚያን ትግራይ ትግርኚ ዝብልዎ ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባትውን ዕፃኦም ከም ናይ ኣስላማይ ከምዝኾነ ከይተሰከፉ ተጠሊዖም ይዛረቡ፡፡ ናይ ኣግኣዚያን ከዓ ዝኸፍአ ካብ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ኣተሓሳስባ ዘይወፀን ህልም ዝበለ ናይ ፋሽስት ኣተሓሳስባ እዩ፡፡

ኣብዙ ሐዚ እዋን ብሽም ኣግኣዚያን ኢና ዝብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስፍሓት ምንቅስቓስ ጀሚሮም ዘለዉ ፀበብቲን ተስፈውቲ ትምክሕቲን ሓይሊታት፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን በፂሑዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባለን ስልጣነን፣ ኣብ ዴሞክራሲ መዳይ ኣጥሪይዎ ዘሎ ኣተሓሳስባ ዘይፈልጡ፣ ንዘመናት ደቂሶም ፀኒሖም ሐዚ ዝበራበሩ ዘለዉ ብናይ 19 ክፍለዘመን ኣተሓሳስባ ዝምርሑ ሓርበኛታት ኢና፣ ጠበቓታት ትግራይ ትግርኚ ኢና በሃልቲ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ እንትሪኢ ብጣዕሚ ደንፅይዎ ኣሎ፡፡ ህዝቢትግራይ ብዘይ ምንም ናይ ሃይማኖት፣ ብሄርን ፆታን ኣፈላላይ ከቲቱ ድሕሪ መሪር ብረታዊ ቃልሲ፣ ድሕሪ ከቢድ መስዋእቲ፣ ድሕሪ ልዕሊ 60 ሽሕ ምሩፃት ቀያሕትን ፀለምትን ደቁ ምኽፋል፣ ድሕሪ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣካል ስንክልና ምኽፋሉ፣ ኮታስ ድሕሪ ኣብ ሕድሕድ ናይ ትግራዋይ ገዛ ዝኣተወ መስዋእቲ ተቓሊሱ ዘረጋገፆ ም

* መሰል ማዕርነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን፣

* መሰል ማዕርነት ፆታ፣ እምነታትን ሃይማኖታትን፣

ብሽም ኣግኣዝያን ኢና በሃልቲ ውልቀ ሰባት፣ ህዝቢ ትግራይ ተቃሊሱ ዘረጋገፆም መሰላት ክምንጥልዎ እንትሰብክዎን፣ እዚኦምስ ዝዓበዱ እዮም ምሕረት የውርደሎም ይብሎም ኣሎ፡፡

ናይ ኣግኣዚያን ኣተሓሳስባ ንገለገለ ዝተገርሁ ወገናትና፣ ፀቢብነት ከባቢያዊነት እናበልኩም ትግራዋይ ኣይትኸፋፍልዎ፣ ኩሉ ትግራዋይ ፀቢብነት ዝበሃል የብሉን ንዝብሉ ኣሓትና፣ ኣግኣዚያዊነት ዋና መርኣያ ወይከዓ መምሃሪ ጫፍ ፀቢብነትን ተስፈውቲ ትምክሕት ምዃኑን ፀቢብነት ኣተሓሳስባ ከም ተጋሩ ከይኣናአስና ክንቃለሶ ዝግባእ ፀገምና ምኳኑ ብግልፂ የሪኤና፡፡

ምኽንያቱ ንህዝቢ ትግራይ ኣይሓለፈልካን፣ ቀደምእውን ሎሚእውን ምስተወፃዕካ ኢኻ፣ እዞም ህዝብታትን ብሄር-ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ቀንዲ ፀላእትኻ እዮም፣ ደቂሶምልካ ኣይሓድሩን፡፡ ስለዚ ተነፂልካ ናይ ኣግኣዚያዊነት መንግስቲ መስሪትካ ምስ ናይ ኤርትራ ኣሓትካ ኮይንካ ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ እምነታት እስልምናን ካልኦት ኣናሳ ብሄራትን ጓዕፂፅካን ፀቒጥካን ብሰላም ክትነብር ኢኻ እዮም ዝብልዎ ዘለዉ፡፡ እሞ እዚ ደኣ ህልም ዝበለ ፀቢብናት ኮይኑ ቀፂሉ ናብ ትምክሕቲ ዝሰጋገር ውዲት እምበር ካሊእ እንታይ ክበሃል ይኽእል፡፡

ፀቢብነት ማለት እኮ ብውፅኢት መግዛእቲ ትምክሕታዊ ስርዓት ዝተፈጠረ ኮይኑ ካብ ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ሓሊፉ ብፀረ ዴሞክራሲ ዝተላዕጠጠ ገዛእትን ውፁዓት ህዝብን ዘይፈላሊ፣ ንሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብፀላኢነት ብምፍራጅ ሕነ ንምፍዳይ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ እዩ፡፡ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እውን ልዕልነቱ ከረጋግፅ ዝፅዕር ኣተሓሳስባ፣ ናይ ሕሉፍ መግዛእቲ ሒሳብ ንምውርራድ ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃሚነትን ዝብል መትከል ፈፂሙ ዘይቕበልን ከም ውርደት ዝቖፅር እዩ ፀቢብነት፡፡ ስለዚ ናይዚ ትኽክለኛ ሞዴል መግለፂ ኣብ ትግራይና ሐዚ ሐዚ ዝረኣይ ዘሎ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝወፀ ናይ ኣግኣዚያን ምንቅስቓስ እንትኾን፣ ኣብ ኦሮሚያ ከባቢ ከዓ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ኦነግ ምንቅስቓስ እዩ፡፡

በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ትምክሕቲ ማለት ብሽም ሓድነት መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብግልፂ ብምክሓድ መንነቶም ገዲፎም መንነት እቲ ናይ ሓድነት መግለፂ ዝብልዎ ብሄር /ኣምሓራ/ ክላበስ ዝገብር ፀረ ዴሞክራሲ ኣተሓሳስባ እዮም፡፡ ብዛዕባ መሰል ብሄረሰባት እንትለዓል ሃገር ንምብታን ዝዓለመ እዩ ዓሪፍኩም ተቐመጡ ወይ ትጭፍለቑ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ኣግኣዚያን ድማ ነዚ ኣተሓሳስባ ንምውራስ ይመስል መንግስቲ ኣግኣዚያን ምስተፈጠረ ኣናሳ ዝበሃሉ ኣብ ትግራይን ኣብ ኤርትራን ዘለዉ 8 ብሄር ብሄረሰባት ናይ ትግራዋይ ልዕልነት ተቐቢሎም ሰጥ ለበጥ ኢሎም ክግዝኡ ከምዘለዎም ኣግኣዚያን እንተይተሰከፉ ተጠሊዖም ይዛረቡ፡፡

እሞ ናይ ኣግኣዚያን ነገር ብሓደ ወገን ንትግራዋይ ካብ ኣሓቱ 80 ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ነፂሎም ንበይንኻ ነፃ መንግስቲ ክትፈጥር ዝብል ናይ ፀቢብነት ኣተሓሳስባ እንተሰጉሙ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ንቶም ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዘለዉ ኣናሳ ብሄረሰባት ጨፍሊቕካ ከም ካልኣዋይ ዜጋ ምቁፃር ዝብል ናይ ትስፉው (ተስፈኛ) ትምክሕቲ ኣተሓሳስባ ዶ ኣይበሃልን?

ብዝኮነ ኣግኣዚያን ዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ፀቢብነት ሓደጋ ክሳብ ክንደየናይ ሓደገኛ፣ ንህዝቢ ብፀላኢነት ዝፍርጅ፣ ንሃይማኖታት ብፀላኢነት ዝፍርጅ ፀረ ዴሞክራሲን ፀረ ህዝብን ኣተሓሳስባ ኮይኑ ዕድል እንተረኺቡ ካብኡ ሰጊሩ ናብ ትምክሕቲ ከምዘተስፉው ብግልፂ ዘርኣየ ምንቅስቓስ እዩ፡፡

* ህዝቢ ትግራይ 17 ዓመት ብረት ኣልዒሉ እንትቃለስ ናይ እምነትን ፆታን ኣፈላላይ እንተይፈጠረ፣ ተባዓይ ኣንስታይ፣ መንእሰይ ሽማግለ፣ ኣስላማይ ክስታናይ፣ ቀሺ ሓጂ፣ ትግራዋይ ኢሮብ ኩናማ ብዘይ ኣፈላላይ ተቓሊሶም፣ ደሞም ኣፍሲሶም፣ ኣካሎም ከፊሎም፣ መስዋእቲ ኮይኖም ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም ከብቅዑ ሐዚ ብኣግኣዚያን ኢና በሃልቲ ኣስላማይ ዓዲ የብሉን ናይ ኣዕራብ ግብፂ ወኪላት እዮም፣ ካብ ትግራዋይ ወፃእ ዘለዉ ብሄረሰባት በገዛ ዓዶም ካልኣይ ዜጋ ኮይኖም ክቕመጡ ክፈርዱሎም ከለዉ ዓብዪ ግፍዒ እዩ፡፡

* ህዝቢ ኣምሓራን ህዝቢ ትግራይን ኣንፃር ደርጊ ዝግበር ቃልሲ ሓቢሮም ዝተቃለሱ፣ ስጋይ ስጋኻ፣ ንመስዋእቲ ኣነ ክቅድም ኣነ ክቅድም እናበሉ እናተሓጋገዙ፣ እናተሓላለዩ ዝመፁ ህዝብታት ከም ፀላኢታት ክፈራረጁ ዓገብ፣ ገለ ትምክሕቲ ሓይሊታት ነዚ ናይ ኣግኣዚያን ኣተሓሳስባ ሒዞም ንትግራዋይ ክጭፍጭፉ ዝገበርዎ ፈተና ብህዝቢ ኣምሓራን ብህዝቢ ጎንደርን ከምዝፈሸለ ባዕሎም እቶ ዝተጎድኡ ዜጋታትና ኣብ ብጣዕሚ ብዙሓት መድረኻት ነጊሮምናን ምስክርነቶም ሂቦም እናሃለዉ ኖ፣ ፀላእትኻ ህዝቢ ኣምሓራ እዩ ምባል ዓገብ እዩ፡፡

ናይ ኣግኣዝያን ድሌት ተግባራዊ እንተኾይኑ ከምቲ ሻዕብያ ድሕሪ ነፃነት ኮይንዎ ዘሎ ንዘይምዃን ምንም መረጋገፂ የብሉን፡፡ ፀረ ህዝቢ ያው ፀረ ህዝቢ እዩ፡፡ ፀረ ህዝቢ ኣምሓራ ዝኾነ ሓይሊ ፀረ እቲ ይውክሎ እየ ዝብል ህዝቢ እዩ፡፡ ሻዕብያ ፀረ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ፀረ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣብ 1977 ዓ.ም. ዝፈፀሞ ተግባር፣ ፀረ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ፀረ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ) ከምዝነበረ ካብ ፕሮፖጋንዳኡን ናይ ቃልሲ ስልቱን ኩሉ ዝፈልጦ እኳ እንተኾነ ፀረ ህዝቢ ኤርትራ ምዃን ግን ቀሊል ዘይበሃይ ይጠራጠር ነይሩ እዩ፡፡ ብጭቡጥ ግን ሐዚ ንሪኦ ዘለና ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ 1977 ዓ.ም. ዝፈፀሞ ፀረ ህዝቢ ተግባር፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኸፍአ ን26 ዓመታት ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኤርትራ ኣብ ብርሰት ዘላ ሃገር ክትበሃል በቒዓ፡፡ ናይ ኣግኣዚያን ኣተሓሳስባውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን፣ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሓዉ ዝኾነ 90 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፂሎም ተቓሊሱ ዘረጋገፆም ዓዎታቱ ብእግሩ ክረግፆም ይሰብክዎ ኣለዉ፡፡

እዞም ፀበብቲ ሓይሊታት እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ሎሚ 84 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፀላኢኻ እዩ እንትብልዎ ፅባሕ  ትግራይ ትግርኚ ነኒባዕሉ ራያ፣ እንደርታ፣ ክልተኣውላዕሎ፣ ዓጋመ፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱም፣ ሽረ፣ ወልቃይት፣ ሓማሴን፣ ሰራየ፣ ኣኮሎግዛይ፣ ወዘተ እናበሉ ብፀቢብነት ተወጢሩ ክዋዳእን ክጣፋእን፣ ንብሄራት ኮናማ፣ ኢሮብ፣ ዓፋርን ካልኦት ብሄራት ኤርትራን ከም ባራዩ ወይ ካልኣይ ዜጋ ክቆፅሮም፣ ክርስትና መንግስታዊ ሃይማኖት ብምግባር ካልኦት እምነታት ኣፍልጦ ክስእኑን ክግለሉን ንምግባር እዮም ዝሓስቡሉ ዘለዉ፡፡ እዋይ ጉድ እዚይስ ካብቲ ብሄረይ፣ ሃይማኖተይ፣ ወገነይ፣ ትብሎ ወዲ ሩባይ፣ ትብሎ ከምዚ ዓይነት ናይ ጥፍኣት ድግስ ክድግሰልካ እንተሎስ እንታይ ትብል?

5.2/ ሳዕቤን ውዲት ኣግኣዚያን

ኣብዘለናዮ 21 ክፍለዘመን ብዓለም ሕብረተሰብን ብሕቡራት መንግስታትን ኣፍልጦ ዝተውሃበን ሉኣላዊ መንግስታት ብሽም ናተይ ብሄር ከይዱኒ፣ ወይከዓ ናተይ ሃይማኖት፣ ዓሌት ሓው ሓፍቲ ከይዱኒ ኣብ ክልተ ሰለስተ ተበታቲኑኒ ኢልካ ምልዕዓል ብምፍጣር ንምብትታን ምንቅስቓስ ዘይቅኑዕን ናብ ሕድሕድ ኲናት ዘእቱ ሕቶ እዩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኾንን፡፡ ንኣብነት ኣብዙ ሕዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣግኣዝያን ብዝብል ኣተሓሳስባ ታሪኻት ሃገርና ኣጣሚሞም ብምቕራብ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታትና ዝፍጠር ዘሎ ናይ ምክእኣልን ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝሽርሽር ፕሮፖጋንዳ እንትንዛሕ ንርኢን ንሰምዕን ኣለና፡፡ እዚ ዱሑር ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ 21 ክፍለዘመን ምልዓሉ ክሳብ ክንደይናይ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ንዕቀት እዩ ዘርኢ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝባሃሉ ዝነበሩን ሐዚ ተቃሊስና ዘወገድናዮም ብሂላት “ሰማይ ዓንዲ የብሉ ኣስላማይ ዓዲ የብሉ” ዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ሎሚ ኣብ 21 ክፍለዘመን ብኣግኣዚያን ክትሰምዕ መሕፈሪ እዩ፡፡ መቦቆሉ ትግራዋይ እናሃለወ ሃይማኖቱ ኣስላማይ ብምዃኑ ክናሾ ወይ ከም ካልኣይ ዜጋ ክቁፀር ዓገብ እዩ፡፡ ብሽም ኣግኣዚያን ካብ ትግራዋይ ወፃእ ዘለዉ ኣሓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ምፅራፍን ምንሻውን ክትሰምዕ መፀየፊን መሕፈሪን እዩ፡፡

ኣብዝሓለፉ ናይ ዓቀይቶትን ትምክሕትን ስርዓታት ዘጋጥሙ ዝነበሩ ባዕዳውያን ወረራታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝበፅሖም ዝነበረ ወፅዓን ብዝበዛን ንጎኒ ብምግዳፍ ኣስላማይ ክስታናይ እንተይበሉ፣ ብሄር እንተይፈለዩ፣ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከቲቶም ከምዘይመከቱ ሕዚ ብኣግኣዚያን ነዞም ዜጋታትና ከም ፀላኢ ወይ ዓዲ የብሉ ዓውዲ የብሉ ምባል ብጣዕሚ ኣፀያፊ እዩ፡፡ እዚውን ፀቢብነት ክሳብ ክንደይ ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን ምዃኑ ኩልዕ ኣቢሉ የርኢ፡፡

እዚ ብኣግኣዚያን ኢና በሃልቲ ዝለዓል ዘሎ ኣተሓሳስባ ፀቢብነት ዝወለዶ ሕቶ ትግራይ ትግርኚ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ሓዱሽ ክስተት ኣይኮነን፣ ቅድሚ ሐዚውን ብተመሳሳሊ ብምብራቓዊ ሸነኽ ጎረቤት ሃገርና እዚ ሕቶ ብኣተሓሳስባ ጥራሕ ዘይኮነት ብሓይሊ ንምትግባር ተፈቲኑ ብቅልፅም ኢትዮጵያውያን ክፈሽል ኪኢሉ እዩ፡፡ እዚውን ሶማሊያ ድሕሪ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ምውፃኣ መንግስቲ ሶማሊያ ካብዚ ሐዚ ንሰምዖ ዘለና ናይ ኣግኣዚያን ጉጉይ ኣተሓሳስባ ብምብጋስ ንሃገርና ኢትዮጵያ ክሳብ ወራር ምፍፃም በፂሓ እያ፡፡

ናይቲ ወራር መበገሲ ድማ ብሄረ ሶማሊያ ብምኽንያት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክብተኑ ስለዝተገበረ /ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጁቡቲ፣ ኣብ ኬንያን ኣብ ባዕላ ሶማሊያን/ ብሓይልና ከነምልሶም ኢና ኢሎም ክሳብ ሩባ ኣዋሽ ዶብና እዩ ኢሎም 5ኮኾብ ዘለዎ ባንዴራ ሒዞም ክልተ ጊዜ /ብደርግን ብሃ/ስላሰን/ ወሪሮምና እዮም፡፡ ንሕና ኢትዮጵያውያን ከም ኣቦታትና ኣሕፊርና መሊስናዮም፣ ኣብ መወዳእትኡ ነኒባዕሎም ተናኺሶም ተበቲኖም ተሪፎም፡፡

ሐዚ 4 ብሄር ኣብ ኤርትራ ስለዘሎ፣ ኣብ ጁቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ኬንያ፣ ሱዳን ተመሳሳሊ ብሄር ስለዘሎ ብሄርና ክነምፅእ ብዝብል አተሓሳስባ ምቕስቃስ ናብ 19 ክ/ዘ ምምላስን ዱሑር አተሓሳስባን እዩ ምባል ይከኣል፡፡ ኣብዙ ሐዚ እዋን ከም ስዒድ-ባሬ ዝገበሮ ንምግባር ብሄረ ትግርኛ ንኣኻኽብ ዝበሃል ዘረባ ናይ ሶማሊያ ዕፃ እምበር ካሊእ ምንም ረብሓ የብሉን፡፡

5.3/ ትግራይ ትግርኚ (ኣግኣዝያን) ብሓቂ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ኢትዮጵያ ናይ ምብትታን ውዲት?

ብሱሩ ኸ ናይ ኣግኣዚያን ዝብል ምንቅስቓስ ብሓቂ ንተጋሩ ብምሕሳብ ድዩ ዋላስ ንዘመናት ክብራን ሉኣላዊነታን ሓሊያ ዝነበረት ሃገርና ኢትዮጵያ ንምብራስ? ብሓቂ ተጋሩ ካብቲይን ካብትይን ኣኻኺብካ ካብቲ ዝነበርዎ ስርዓት ብዝሓሸ ክምርሑን ካብቲ ዘመዝገብዎ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ብዝበለፀ ንከመዝግቡ ብምሕሳብ ድዩ ዋላስ ዝተዳኸመትን ዝተበታተነትን ኢዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ሕልሚ ብሕታዊ ተጠቃሚነት ሩባ ኣባይ ጎረባብቲ ንምርግጋፅ? ዋላስ ፃምእ ስልጣን ፀበብቲ ሓይልታት ትግራይ ትግርኚ ንምርዋይ?

ተጋሩ ኣብ ትግራይን ኣብ ኤርትራን ስለዘለዉ ብሓደ ነምፃዮም እንተተባሂሉ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብሄረ ኢሮብ (ሳሆ) ብሄረ ኩናማ ኸ ናበይ ክኸዱ? ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ካብ ብሄረ ትግራይ ወይ ትግርኛ ወፃእ ዘለዉ 8 ብሄራት ከ እንታይ ክኾኑ? ንበይኖም ነፃ መንግስታት ድዮም ዋላስ ምስ ትግራይ ትግርኚ? ዋላስ እዚኦም ኣናሳ ስለዝኾኑ ከምቲ ኣስላማይ ዓውዲ የብሉ ዓዲ የብሉ ዝብል ናይ ኣግኣዚያን ፈኸራ ካልኣይ ዜጋ ኮይኖም ክነብሩ? እንድሕር እዞም ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝርከቡ 8 ኣናሳ ብሄራት ሓቢሮም ምስ ትግራዋይ ክነብሩ ኣግኣዚያን እንተፈቒዶሙሎም ንምንታይ ደኣ ንኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ካብ ኣሓቱ 80 ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ምንፃል ኣድለየ?

መብዛሕቶም እዚ ዘረባ ዘልዕሉ ዘለዉ ከምቲ “ኣብ ኣሸንዳያ ዝፀመመት ጎርዞስ ወ-ዕምበብ ደርፋ” ከምዝበሃል ኣብ መወዳእታታት 20 ክፍለዘመን ካብ ሃገሮም ዝረሓቑ ወገናት፣ ዘሎ ኩነታት ምዕባለ ሃገርና ምርዳእ ዝኣበዮም ወይ ዘይወሓጠሎም ወገናት ዝዛረብዎ ጊዚኡ ዝሓለፎ ዝኣረገ ደርፊ ትግራይ ትግርኚ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ከምቲ ንኸይምለሱ ዓኾር ደብሪዮምላ ዝኸዱ ናይ ዝሓለፈ ስርዓት ናፈቕቲ ወይ ከዓ ናይ ዝሓለፈ ስርዓት ተጎዳእቲ ስደተኛታት (ዳያስፖራ) ዝፈልጥዋ ሃገር ዘይኮነትስ ሐዚ ዘላ ሓዳሽ ሃገር እያ፡፡

ኢትዮጵያ ሐዚ ናይ ኣፍሪካ ግዙፍ ኢኮኖሚን ብዙሕ ህዝቢ ኣለወን ካብ ዝበሃላ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ እያ፤ ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ካብ ዝበሃላ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ እያ፤ ኢትዮጵያ ካብ ዓለምና ስሉጥ፣ ፍትሓዊ፣ ቀፃልነት ዘለዎ ዕብየት ዘረጋገፃ ዝበሃላ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡ እሞ ንምንታይ ደኣ ንምንፅፃል ይሕሰብ?

ኣብ ዘመነ ግሎባላይዜሽን ንልምዓት ወሰንቲ ካብዝበሃሉ ሓደ በዝሒ ህዝቢ እዩ፣ በዝሒ ህዝቢ ምህላው ማለት ሰፊሕ ዕዳጋ ምህላው ማለት እዩ፣ በዝሒ ህዝቢ ምህላው ማለት ሰፊሕ ናይ ልምዓት ሰራዊት ምህላው ማለት እዩ፣ ሰፊሕ ጉልበት ምውናን ማለት እዩ፣ እዚ ጉልበት እዚ ድማ ዘሎካ ተፈጥራዊ ሃብቲ ብቐሊሉ ክብሪ ወሲኽካ ናብ ልምዓት ንምእታው ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ፡፡ እሞ ንምንታይ ደኣ እዩ ትግራዋይ ካብ 90 ሚሊዮን ኣሕዋቱ ፈሊኻ ናብ 2-3 ሚልዮን ኣሓቱ ምፅንባር ዝተደለየ? ብሓቂ ንትግራዋይ ብምሕሳብ ዋላስ እታ ናብ ናይ ቀደም ናይ ስልጣነን ናይ ምዕባለን ቦታኣ ንምምላስ ትግስግስ ዘላ ኢትዮጵያ ንምፍርራስ?

እሞ ነቲ ትግራዋይ ካብ ንዘመናት ሓቢሮምዎ ዝነብሩ ዘለዉ፣ ኣብ ሕማቑን ፅቡቑን ጊዜ ካብኡ ዘይተፈለዩ ንሱውን (ህዝቢ ትግራይ) ከምኡ ኣብ ሕማቆምን ፅቡቖምን ምስኦም ከይተፈለየ እናተደጋገፈ ዝመፀ፣ ክብሪ ንምግሃስ ካብ ኩሉ ሸነኽ ዝመፁ ፀለምትን ፀዓዱን ወረርቲ ኣብ ምምካት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣለናልካ ብምባል ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ህዝብታት፣ ኣብ እዋን ናይ ውሽጢ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ፣ ኣብዙ ሐዚ እዋን ዘለናዮ ሃይሃይታ ድኽነት ምጥፋእ ቃልሲ ኣብ ጎንና ተሰሊፎም ምትሕግጋዝ ዝገብሩ ዘለዉ ህዝብታት ሃገርና ራሕሪሕኩም ናብ በቃይ ምሳኹም ሓደ መንግስቲ ክምስርት ኣይደልን፣ ምሳኹም ዘድልየኒ ፅቡቕ ጉርብትና እዩ ኢሉ ብሙሉእ ድምፁ ዘረጋገፀ (99.8%) ህዝቢ ኤርትራ ተፀምበሩ ዝብሉናስ ፈተውቲ ዶ ፀላእቲ?

ህዝብታት ሃገርና ንዘመናት ብድሕረትን ድኽነትን ድሕሪ ምስቓይ ሳላ ንፁር ህዝባዊ መስመርን ውድብን ምውናንና ኣብ ዘይተገመተን ኣብ ዝሓፀረን ጊዜ ዋርድያ ድኽነት ዝነበረ ደርጊ ደምሲስና፣ ምንባርን ዘይምንባርን ካብ ዘይፍለየሉ ዘመን፣ ምንባር ዘይትምነየሉ ዘመን ወፂና እንታይነት ምንባር ምስትምቓር ኣብዝጀመርናሉ፣ መንገዲ ስሉጥ፣ ፍትሓዊን ቀፃልነት ዘለዎን ልምዓት ኣብ ዝሓዝናሉ፣ ውፅኢት ድኻምና ኣብ ነስተማቕረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ሓልየት፣ ምትእምማን፣ ምክእኣል፣ ምስትምቓር ኣብ ዝጀመርናሉ ንዑ ተበጨሩ ማለትስ ናይ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ምኽሪ ዶ ዋላስ ብወልፊታት ናይ ዝመርቀኑ ምኽሪ? ዋላስ ናይ ፀላእትና ሕልሚ?

5.4/ ትግራይ ትግርኚ (ኣግኣዝያን) ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ብምሕሳብዶ ዋላስ ካሊእ ውዲት?

ህዝቢ ኤርትራ ሓውና ምዃኑ ማንም ዘይኽሕዶ ሓቂ እዩ ብሄረ ትግራይ፣ ኢሮብ፣ ዓፋር፣ ኩናማ፣ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከብ እዩ፡፡ ግን ድማ ብታሪካዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ን60 ዓመት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ /50 ዓመትን ብጣልያንን 10 ዓመት ብኢንግሊዝን /፣ ቀፂሉውን ድሕሪ ብዙሕ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ቃልሲን ናይ ሕቡራት መንግስታት ጣልቃ ኣታውነትን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተፀንቢራ ን30 ዓመት ብሃገርና ኢትዮጵያ ተማሓዲራ /ንሶም ከምዝብልዎ ተገዚኣ/ ብጠቅላላ ን100 ዓመታት ናይ ባዕላ መንግስቲ ዘይብላ ኣብ ትሕቲ ዘይኣመነትሉ ምሕደራ ትመሓደር ዝፀንሐት ሃገር እያ፡፡

ኣብ መወዳእታ ብቃልሲ ክልቲኦም ህዝቢታት /ኢትዮጵያን ኤርትራን/ ደርጊ ተደምሲሱ፡፡ ድሕሪ ዓዎት ህዝቢ ኤርትራ (99.8%) ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት ማለት ካብ ባርነት ዘይፍለ እዩ ስለዚ ነፃነተይ ይሐሸኒ ኢሉ መሪፁ፡፡ ስለዝኾነውን ህዝቢ ኤርትራ ተወፂዐ ኢሉ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር ቃልሲ ንደርጊ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሓቱ ደምሲሱ፣ ነቲ ብሓይሊ ዘረጋገፆ ዓወት፣ ብህዝበ ውሳነ ኣረጋጊፁ ነፃነቱ ዝኣወጀ ህዝቢ፣ ሐዚ ሓውና ኢኻ፣ ብሄርና ኢኻ ኢልካ ናባና ብሓይሊ መልጢ ክሕወስ ምግባር ኣብ 21 ክ/ዘ ምሕሳቡ ጌጋ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀረ-ህዝብነት’ውን እዩ፡፡ ብትኽክል ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ ሓይሊ እየ ዝብል እንተኾይኑ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ከኽብር ይግባእ፡፡

ኣብዙ ሕዚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ንሻዕብያ ኣምሪሩ እንተፀልአውን ንነፃነት ኤርትራ ኣምሪሩ ፀሊኡ ማለት ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሎ ዘሎ ምልክነት ስርዓት ሻዕብያ የብቅዕ፣ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ይሃልወና፣ ሰላማዊ ጉርብትናን ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ትሕብባር ምስ ኩሎም ጎረባብትና እዩ ዝብል ዘሎ፡፡ ስለዚ ካብዚ ወፃእ፣ ኖ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ዕላማ ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም እዩ ድሌትካ ውን እዩ፣ ብናይ ሻዕብያ ድሌት ብግዲ ተገዲድካ ኢኻ ነፃነት መሪፅካ ዝበሃል ዘረባ፣ ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ዝብል ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን ኣተሓሳስባ እዩ፡፡

6/ መጠቃለሊ

ስለዚ ሓድነት ስለዝተደለየ ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ንሕና ሐዚ ብዴሞክራሲ ብልምዓት ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዝና ኣለና፡፡ እኒ ሻዕብያ ንኤርትራ ሒዞምዋ 26 ዓመት ደቂሶም ክሳብ ሐዚ ኣይተበራበሩን፡፡ ብዝሓለፉ ስርዓታት ይኹን ብወራር ሻዕብያ ዝበፅሑ ስምብራታት ገና ኮምተርተር እዮም ኢሎም ዘለዉ፡፡ ንኹሉ ናይ ውድቀቶም ምኽንያታት ኣመሪካ፣ ሽርሒ ወያነ፣ ጭፍራ ወያነ፣ ኢትዮጵያ እናተብሃለ ዝደንቆረ እዝኒ ከመዛዝን ጊዜ የድልዮ፡፡

እዚ ክድሕን ዝኽእል ኩሉ ወገን ካብ ድኽነት ወፂኡ፣ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ሃኒፁ ዘረብኡን ዕላምኡን ኩሉ ኤኮኖሚን ዕዳጋን ምዃን ምስጀመረ እዩ፡፡ መንገዱውን መንገዲ ውድድርን ነፃ ዕዳጋን እምበር መንገዲ ምትላልን ምጭብርባርን ኮንትሮባንድን ከምዘየዋፅእ ብልቢ ክተሓዝ ከሎ እዩ፡፡  እዚ እንተዘይኮይኑ ተለኻኺምካ ንድሕሪት ምምላስ እዩ፡፡ ኣብ 19ን 20 ክፍለ ዘመን ወሳኒ ሓይሊ ጡንቻ፣ ወታደር፣ ኣፅዋር እዩ ነይሩ፤ ሐዚ እዚ ተቐይሩ እዩ፡፡ ናይ ኩሉ መእሰሪ ኤኮኖሚያዊ ዕብየት ምውህላል ሃፍቲ እዩ፡፡ እዚውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብውድድር፣ ኣብ ነፃ ዕዳጋ ፅሬት ዘለዎ፣ ብዝድለ መጠን፣ ኣብ ዝድለ እዋን፣ ብዝሐሸ ዋጋ ብምፍራይ ተወዳዳራይ ብምዃን እዩ፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ብኹሉ ወገን ክህልወና ይግባእ፣ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ እንግድዓ ዝነብረሉ ኣተሓሳስባ ዘመኑ ሓሊፉዎ እዩ፡፡ ሐዚ ህዝቢታት ተደላሊዮም /ሓደ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ክልቲኦም ወይ ኩሎም እንተተደላሊዮምን ፍቃደኛ እንተኮይኖምን ጥራሕ ብሓደ ዝነብርሉ ክን ወስድ ይግባእ፡፡ ስለዚ ብናይ ሎሚን ብናይ ፅባሕን ሪኢና ምውሳን ይጠቅም፡፡ ሳላ ወያነ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብምስጓሙ ሃገርና ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ወፂኣ ኣብ ጎዳና ዕብየት ትርከብ፡፡ ስለዚ ወያነ በዓል ውለታ ሃገርና እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝተምሃርናዮ ነገር እንተሃለው፣ ወደብ ማለት ጎሮሮ ሓደ ሃገር ኣይኮነን፣ ወደብ ማለት ተራ ናይ ዕዳጋ ኣቕሓን ብገንዘብ ዝግዛእን እዩ፡፡ ከም ዕድል ንሕና ኢትዮጵያውያን ብዙሓት ኣማራፂ ወደባት ኣለውና ገንዘብ እንተረኺብና ድኽነት እናጥፋእና እንተኼድና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወደብ ንሕና ኢና ወሰንቲ ንኸውን፡፡ ኣብ 21 ክፍለዘመን ጎሮሮ ሃገር ወደብ ወይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዘይኮነስ ልምዓታዊ መስመር እዩ፣ ወያናይ ዴሞክራሲ መስመር እዩ፡፡ ሐዚ ምስ ኤርትራ ሰላም እንተዝፍጠር እውን ምናልባት እቲ ወደብ እንተተሓዲሱ ኣብ ናይ ሃገርና ልምዓት ዝህልዎ ረብሓ ከምቲ ቀደም ንሓስቦ ዘይኮነስ ብጣዕሚ ውሱን እዩ፡፡ ምናልባት ንመብዛሕቱ ክልል ትግራይን ንውሱን ከባቢ ኣምሓራን ዝሐሸ ኮይኑ ንካሊእ ክፋል ሃገርና ግን ብዙሕ ረብሓ የብሉን ምኽንያቱ ካብ ናይ ኤርትራ ወደብ ካልኦት ወደባት ብዝሓሸ ዋጋ ይርከብ ቀረባ ብምዃኑ፡፡

ሻዕብያ ካብ ድቃሱ ክበራበር ይግባእ መራሕቲ ሻዕብያ ኣብናይ ውልቀ ናብረኦም ተሓፂሮም ምርኣይን ምሕሳብን ጠጠው የብሉ፡፡ ህዝቦም ቆላሕ ኢሎም ይርኣዩ፣ ትዕቢትን ጉራን ዋጋ የብሉን፣ ምእንቲ ህዝብኻ ኢልካ ክራባታ ኣሲርካ ፍቆዶ ዝለምዑ ሃገራት ኬድካውን ይልመን እዩ፡፡ ኤርትራ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክትወፅእ ዘለዋ ተፈጥሯዊን ሰብኣዊን  ሃፍታ ተጠቒማ እትለምዐሉ ፖሊሲን ስትራቴጂን የድልያ፡፡ እዚ ንምግባር ዴሞክራሲ መማረፂ የብሉን፣ ንሃገር ዝጠቅም ዝተፈላለዩ ሓሳባት መፂኦም ህዝቢ ኤርትራ ዝመስሎ ክመርፅ ዕድል ክወሃቦ ይግባእ፡፡

ብናይ ሻዕብያ ውልቀ መላኺነት ኤርትራ ካብ ጊዜ ናብ ጊዘዜ ንድሕሪት እናንቆልቆለት ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ፣ ህዝባ ፈንፊንዋ ኣደዳ ስደት ክሳብ ዝኾን በፂሓ ኣላ፡፡ ነቲ ቅድሚ ሃገሩ ቃልሲ ዝጀመረ ህዝቢ እዚ ኣይግበኦን፡፡ ሻዕብያ ከምቲ ንነፃነት ኢሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ ሐዚውን ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ካብ ድቃሱ ክበራበር ይግባእ፤ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ኢሉ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ዝፈሸለ ዕላማን መፈፀሚ ስትራቴጂን ተላቒቑ ሽንፈቱ ኣሚኑ ክህደስ ይግባእ፡፡

ተሸኒፍካ እንዳሃለኻ ህዝብኻ ፈንፊኑካ እናሃደመካ እናሃለወ ፀገማትካ ጊዚያዊ ፀገም እዩ፣ ናይደገ ፅዕንቶ እዩ፣ ጊዜ ሓላፋይ እዩ እናበልካ ጊዘ ምጥፋእ ተቐባልነት የብሉን፡፡ እኒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ውልቆም ናብራ ምርኣይ ገዲፎም ህዝቦም ይርኣዩ፣ ዓይኖም ይቕልዑ፣ ትዕቢትን ፈኸራን ዋጋ ከምዘይብሉ ካብ ተግባራቶም ዝሓለፉ 16 ዓመታት ክመሃሩ ይግባእ፡፡ ሽንፈትካ ተቐቢልካ ካብ ውድቀትካ ክትወፅእ ምፅዓር ከም ውርደት ክቑፀር የብሉን፡፡ ውርደት ማለት ብትዕቢትን ህልኽን ተወጢርካ ኩሉ ዓለም ዝሪኦ ውድቀትካ ክትሸፋፍንን ምኽኒት ምብዛሕ፣ ፅቡቕ ኣለና እናበልካ ህዝብኻ ብድሕረትን ድኽነትን ክሳቐ ምፍቃድ እዩ ውርደት ማለት፡፡

ኤርትራ ኣብ ናፃ ዕዳጋ ተዋሳኢት ክትኮን፣ ሰፊሕ ዕዳጋ ክትረክብ ምስ ጎረባብታ ኣብ እንካ-ሃባ ዝተመስረተ ርክብ ክትፈጥር ይግባእ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምህላው ንኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዓብዪ ዕድል እዩ፡፡ ምኽንያቱ እምነታት ወያናይ ዴሞክራሲ ኣብ ማዕርነት ህዝብታትን ማዕረ ዕድልን ዝኣምን ብምዃኑ ናይቲ ሓደ ልዕልነት ናይቲ ካሊእ ተበዳሊነት ኣይቕበልን፣ ናይ ካሊእ ህዝቢ ረብሓ ንምርግጋፅ ናይቲ ካሊእ ህዝቢ ረብሓ ኣይደራደርን፡፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግብር ርክብ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ካብ ሻዕብያ ንላዕሊ ኣብ ወያናይ ዴሞክራሲ ምትእምማን ይከኣል፡፡

ምኽንያቱ ብወያናይ ዴሞክራሲ ኣተሓሳስባ ጓና ዝበሃል ብሄር፣ ብሄረሰብ፣ ህዝቢ የለን፡፡ ጓና ወይ ፉሉይ ተፈታዊ፣ ወይ ፉሉይ ሓለፋ ወይ ኣድልዎ ዝግበረሉ እምነት፣ ፆታ፣ ብሄር፣ ብሄረሰብ፣ ህዝቢ የለን፡፡ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማዕረ እዩ ኢሉ ይኣምምን፡፡ ንሓደ ሰብ ብብሄራዊ መንነቱ፣ ብእምነቱ፣ ብፆታኡ ዝግበር ኣፈላላይ፣ ሌላን ጉሌላን፣ ዝግበር ሓለፋ ወይ ኣድልዎ ኩሎም ፀረ ዴሞክራሲያዊን ፀረ ህዝብን ተግባራትን ኣተሓሳስባን እዮም ብምባል ወያናይ ዴሞክራሲ ኣምሪሩ ይቃለሶም፡፡

ህወሓት ረብሓታትን መሰላትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝቖመት ወያናይ ዴሞክራሲያዊት ውድብ እያ፡፡ እዚ እንትበሃል ግን ህወሓት ረብሓን መሰልን ህዝቢ ትግራይ እንትተረጋግፅ ብዓይኒዕሙተይ ብዓጋም ጠሓስ ዘይኮነስ፣ ብእምነታት ወያናይ ዴሞክራሲ እዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰልን ረብሓን ንምርግጋፅ ናይ ካልኦት ህዝብታት መሰልን ረብሓን ብምጥሓስ ኣይኮነን ብምኽባር እምበር፡፡

ብእምነታት ወያናይ ዴሞክራሲ ናይ ካልኦት ህዝብታት ረብሓን መሰልን ብምጥሓስ ዝረጋገፅ መሰል ረብሓን ህዝቢን የለን፤  እንተሊዩውን ወያናይ ዴሞክራሲ ዘይኮነስ ፀቢብነት ወይ ትምክሕቲ ጥራሕ እዩ፡፡  ሓደ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ንሓደ ዝውክሎ እየ ዝብሎ ህዝቢ ረብሓታቱ ከረጋገፅ ዝቆመ እንተኾነውን ናቱ ህዝቢ ካብ ካሊእ ህዝቢ ኣብሊፁ ኣይርእን፡፡ ህዝቢ ህዝቢ እዩ፡፡ ግን ድማ ሓደ ህዝቢ ህዝቢ እዩ ብዝብል ዶቡ ሰጊሩ ረብሓ ህዝቢ ከረጋግፅ እየ ማለት ህዝባዊነት ወይ ወያናይ ዴሞክራሲያዊነት ኣየብልን፡፡ ስለዚ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለወ፣ ሃገርና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ እትገብሮ ርክብ ረብሓታት ህዝቢ ጎሮባብቲ ሃገራትና ካብቲ ዘለወን ስርዓት ንላዕሊ ኣብ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክተኣማመና ይኽእላ፡፡ እዚ ንጎረባብቲ ሃገራት ምእንቲ ክፈትዋና እንገብሮ ዘይኮነስ ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ እምነትናን ሃይማኖትናን ስለዝኾነ፡፡ ነዚ እዩ ጎረባብቲ ሃገራትና ኣብ ኢትዮጵያ ወያናይ ዴሞክራሲ ምህላዉ ዕድለኛታት እየን ንብል፡፡

ስለዚ ንኤርትራ ምንም መማረፂ ዘይብሉ ምስ ኢትዮጵያ ብምዕራቕ ፅቡቕ ጉርብትና ክህሉ ብምግባር በቢመዓልቱ ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ካብ ክራይ ወደብ ብምርካብ ናብ ምጥፋእ ድኽነት ክተውዕሎ ይግባእ፣ ኢትዮጵያውን ንትግራይን ንዝተወሰኑ ከባቢታት ኣምሓራን ወደባት ኤርትራ ብምጥቃም ቀረባ ብምዃኑ ወፃኢታት ትራንስፖርት ብምቕናስ ተረባሒት ትኸውን፡፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት ዕድመ ብሓንቲ መዓልቲ ምውሳኽ ማለት ሚልዮናት ክራይ ወደብ ምስኣን ማለት እዩ፣ ሚልዮናት ገንዘብ ብማዕልቲ ምርካብ ድማ ንኽንደይ ኤርትራውያን ወገናትና ማይ፣ መንገዲ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ ከምዝኾነት ገቢጥና ክንርኦ ይግባእ፡፡

ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጎንፂ ኢትዮ ኤርትራ ዶብ ከምዘይኮነ ብደንቢ ይፈልጥ፤ ህዝቢ ኤርትራውን ከምኡ፡፡ ዶብና በዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ /ጦርነት ኢትዮ ኤርትራ ማለተይ እየ/ ተሓንፂፁ ተወዲኡ ዝሓደረ ነገር እዩ፤ ሐዚ ናይ ዶብ ፀገም የብልናን፡፡ ሻዕብያ ክበራበር ይግባእ፣ ዶብ ዶብ እንተበለ ንባዕሉ እዩ ዘዕሹ ዘሎ’ምበር እዚይስ ካብ ማንም ዝተሓብአ ኣይኮነን፡፡ ከምታ ንሪኣ ዘለና ሕድ ሕድ ማዕልቲ ኣይ ሰላም ኣይኲናት ንኤርትራ እናሃሰየታ ትሓልፍ ኣላ፣ ዋጋ ንትዕቢትን ህልኽን ስርዓት ሻዕብያ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ዋጋ (ማህሰይቲ) ክኸፍል ኣይግበኦን ስለዚ ይኾኖ ክብል ይግባእ፡፡

**************

* ህዳሰ ኢትዮጵያ [email protected]

Guest Author

more recommended stories