መስፍን ኢንዳስትሪያል መገጣጠሚ ሓደሽቲ ሞዴል ትራክትራት ኣመሪቑ

ኩባንያ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መገጣጠሚ ሓደሽቲ ሞዴል ትራክትራት ኣመሪቑ።

110፣ 60፣ 50፣ 20 ጉልበት ፈረስ ዘለወን ትራክተራት ምስ ሙሉእ መሳርሕታት ሕርሻ ብምግጥጣም እዩ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ ዘሎ።

ቅድም ክብል Sonalika International Tractors Ltd ምስ ዝተብሃለ ኩባንያ ህንዲ ብዝኣትዎ ዉዕሊ በዓል 75ን 90ን ጉልበት ፈረስ ዘልዎን ትራክተራት ምስ ኣድላይ መሳርሕታት ሕርሻ እናገጣጠመ ናብ ዕዳጋ እናቕረበ ምፅንሑ ይፍለጥ።

እዚ ፋብሪካ ኢለን ፈፃሚት ስራሕ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ወይዘሮ አዜብ መስፍን መንፀፍ ኢንዳስትሪያላዊ ለውጢ እዛ ሃገር ዝኾነ ዓውዲ ሕርሻ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው ነቲ ሓረስታይ ተወሳኺ ጉልበት ንምሃብ ዕላማ ዝገበራ ምዃነን ገሊፀን።

Photo - EFFORT CEO Azeb Mesfin driving a tractor
ምስሊ – ፈፃሚት ስራሕ ትእምት ወ/ሮ አዜብ መስፍን ትራክተር እናዘወራ

እዘን ትራክተራት እቲ ባህላዊ ልምዲ ሕርሻ ሓረስታይ ናብ ዘመናዊ ብምስግጋር መፍረያይነት ንምብራኽ ከምዝሕግዛ’ውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተገሊፁ።

ዓሚ መጋቢት 2008 ዓመት፤ ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ መስፍን ጨንፈር ውቕሮ ልዕሊ 600 ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ብምግጥጣም ናብ ዕዳጋ ከምዘቕረበ ሓቢሩ ኔሩ፡፡

አብቲ እዋን እቲ፤ ኣመራርሓ እቲ ፋብሪካ ንቐፃሊ ካብቲ ናይ ምግጥጣም ስራሕቲ ናብ ምፍራይ ንምስግጋር ዓሊሙ ይንቐሳቐስ ከምዘሎ፤ ንተግባራዊነቱ ድማ 50ሽሕ ትርቢዒት ሜትሮ ተወሳኺ ቦታ ሓቲቱ ኣብ ከይዲ ስራሕ ከምዝርከብን፤ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ብርኪ ምስ በፅሐ ድማ ን1,500 ወገናት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ከምዝኽእልን ምሕባሮም ይዝከር፡፡

እቲ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ውቕሮ ስራሕ ካብ ዝጅምር ሕዚ 4ይ ዓመቱ ኾይኑዎ አሎ።

*********

Daniel Berhane

more recommended stories