ተኣሲሩ ዘሎ ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ብፖሊስ መፈራርሒ፣መግረፍቲን ኣጋጢምዎ፣ ዘይኣመነሉ ሰነድ ንክፍርም ተገይሩ‘ዩ ኢሎም ናይ ሎሚ ጋሻና ኣቶ ካሕሳይ ዘገየ።እዚ ቃል’ዚ ብቀጥታ ካብ ኣብራሃ ደስታ ብቀጥታ ዝሰማዕክዎ‘ምበር ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ኣይኮነን
ብዘይካ‘ዚ ሓረስቶት ኣባላት ዓረና ኣብ ዝተፈላለያ ገፀራት ትግራይ ፈጠርቲ ራዕዲ ተባሂሎም ይንከላበቱን ይእሰሩን ከምዘለው፣ቤተ-ሰቡ ምስ ኣብራሃም ዲኹም ምስ ህወሓት? ዝብል መፈራርሒን መሸቁረሪን መጠንቀቅታታት ይቀርቦም ከምዘሎ ኣቶ ካሕሳይ ገሊፆም።
መሪሕነት መድረክ፣ሰማያዊ ፓርቲን ዓረናን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ንገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ብዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝኸሰሱ ዝዝከር‘ዩ።
VOA:- መስከረም 26,2006
*****
*********
Leave a Comment