VOA | ኣጀማምራን ኣከባብራን ሓዱሽ ዓመት ኣብ ኢትዮዽያ

ኣብ ኢትዮዽያ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጅምር ሓዱሽ ዓመት መፅሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ከምዘለዎ ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ይገልፁ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ምካኤል ዘገልግሉ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ “ኣብ ዘበነ ኖህ ብሰንኪ ሓጥያት ደቂሰብ ዝወረደ ሓያል ዝናብን ዋዕን ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ምፅሓዩ መስከረም መፈለሚ ሓዱሽ ዓመት ንክኸውን ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ይእመነሉ” ይብሉ።

ክረምቲ ሓሊፉ ወቕቲ ሸዊትን ፍረን ዝረአየሉ ወርሒ መስከረም መኽፈቲ ሓዱሽ ዓመት ምዃኑ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝቐረበ መረዳእታ ተወሳኺ ተፈጥሮኣዊ ምስክርነት እዩ እውን ይብሉ።

እቲ በዓል ሃይማኖታውን ባህላውን መልዐሊ ዘለዎ ኮይኑ ካብ ድሮ ኣትሒዙ ብፍሉይ ምስንዳእ እዩ ዝኽበር። ኩሉ በብዘለዎ ዓቕሚ ሰትን ዕምበባን ነፂጉ በጊዕ ወይ ደርሆ ሓሪዱ ዋ ፆሚቑ ፅርይርይ ኢሉ ይውዕል።

ሰባት ነቲ ሓዱሽ ዓመት መሰረት ገይሮም ኣብቲ ዓመት ክፍጽምዎ ዝሓሰቡ ትልምታትን መፅባዓታትን ዝሕንፅፁሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።

ግርማይ ገብሩ ኣብ ጎደናታት ከተማ መቐለ ነቲ በዓል ንምቕባል ዝግበር ዝነበረ ምሽብሻብ ኣመልኪቱ ንነጋዶ፣ ምሁራት፣ ካህናት፣ኣደታት፣ ኣመንቲ እስልምና፣ወነንቲ ባጃጅ፣ሸየጥቲ ሰትን ሰምሃልን፣ፖሊስ ትራፊክን ካልኦትን ሓቲቱ’ሎ።

*******

VOA

http://av.voanews.com/clips/TI/2014/09/11/62d99e48-b06e-4ee1-bf28-9c80800016a3.mp3

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories