ኣደይ ኣለማሽ ገ/ልኡል (ኣዶ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ) ብ1989 ንመፂሄት ኣሰር ካብ ዝሃበኦ ቃለመጠይቕ ዝተወሰደ።

ሕቶ፦ መለስ ብቖልዕኡ እንታይ ዓይነት ፀባይ ነይርዎ?

ማማ ኣለማሽ፦ እንታይ ፀባይ ነይርዎ? ሩህሩህን ሕያዋይን’ዩ ነይሩ፡፡ንድኻ ብሕልፊ ርህሩህ’ዩ ነይሩ፡፡ትምህርቲ’ውን ንፍዕ እንድዩ ነይሩ ኩሉ ተምሃራይ ንፍዕ ክኾን ድማ ይደሊ ነይሩ፡፡ካብ ዩንቨርስቲ ንዕረፍቲ ክመፅእ ከሎ ንተምሃሮ ኣኪቡ ከምህሮም ፍቐዱለይ ኢሉ ንቲ ቤት ትምህርቲ ክሕግዞም’ዩ ዝውዕል ነይሩ፡፡

እንድሕር ሓሪቁ ግን ቁጡዕ’ዩ፡፡እዚኣ እያ ፀባዩ ናቱ።

ሕቶ፦ ከመይ ቁጡዕ ማለተን?

ማማ ኣለማሽ፦ ማለተይስ እንድሕር ሓሪቁ ሓያል’ዩ፡፡ብዝሓዛ’ዩ ዝዋቓዕ።

ሕቶ፦ ካብ ዘለውኽን ቖልዑ ብምንታይ ይፍለ?

ማማ ኣለማሽ፦ ብምንታይ ይፍለዶ ብትምህርቱ፡፡ብብልሓት ትምህርቱ’ዩ እምበር ካሊእ መፍለይ የብሉን፡፡ካብ ኻልኦት ደቀይ፡፡

ሕቶ፦ መለስ ብቖልዕኡ ከመይ ይቐርበኦ ነይረን ከም ኣዲኡ መጠን?

ማማ ኣለማሽ፦ ከምቲ ዝብለካ ዘለኹ ሕያዋይ’ዩ፤ ሩህሩህ’ዩ፤ ካብ ኩሎም ደቀይ ኻዓ ንኡ ይፎቱ ኔረ። በቲ ርህሩህነቱ፣ በቲ ዘቃባጥረለይ፣ በቲ ኣደይ ኢሉ ዝኾነ ነገር ምሳይ ስለዝጭነቕ ካብቲ ዓብይ ሓው ንዕኡ ይፎቱ ነይረ። ዳሓር ግን በረኻ ገዲፍኒ ምስከደ ጨካን’ዩ ኢለ ጨኪነ ንቶም ዘለው ጥራይ ምርኣይ ጀሚረ።

ሕቶ፦ ኣብ ገዛ ኸ ምስ ኣሕዋቱ ሃዋኺ ዶ ነይሩ ወይስ ስኒት ነይርዎ?

ማማ ኣለማሽ፦ ሰለማዊ’ዩ። ከምታ ዝበልኩኻ እንተሕሪቖምዎ ብዝሓዛ’ዩ ዝዋቓዕ፡፡ግን ከይተተንከፈ ኣይትንክፍን፡፡ ሕያዋይ’ዩ።

ሕቶ፦ መለስ ብተምሃራዩ ንፍዕ ነይሩ ወለዱ እንታይ ዓይነት ደገፍ ትገብርላቱ ስለዝነበርኩም’ዩ?’

ማማ ኣለማሽ፦ እንታይ እሞ ጌርናሉ ብነብሱ ንፍዕ’ዩ ካብ ተፈጥሮ’ዩ፡፡ ናብ ወዲ ወደን ህፃን እናመላኸታ ክንዲ እዚ ህፃን እዙይ እንተሎ ዝኾነ ነገር ይጥይቐኒ ንዓይ፡፡እዛ ከምዚኣ ትገብርያ ዘለኽስ እንታይ እያ፡፡ዋላ ቡን ይኹን ሓድሓደ ነገር ይሓተኒ ነይሩ። ብህፃኑ ከሎ መስተውዐሊ’ዩ። ዋላ ትምህርቲ ምስ ጀመረ’ውን ዝተፈለየ ነገር ኣይገብረናሉን፡፡ ባዕሉ ለይትን ቀትርን የፅንዕ ብሰዓቱ ናብ ምህርኡ ይኸይድ ብሰዓቱ ናብ ገዝኡ ይመፅእ ምንም ናሃትና ድጋፍስ እቶም ብድሕሪኡ ዝተወለዱ እኳ ካብኡ ንላዕሊ ንድግፎም’ምበር ንዕኡስ ዝገበርናሉ ነገር የለን፡፡

ሕቶ፦ መለስ በረኻ ምስ ወፀ እንታይ በልክን?

ማማ ኣለማሽ፦ ይምሓረና፡፡ መጀመርታ ስለዝነበረ ጨሪሱ ዕብዳን ኣብፂሕለይ ነይሩ፡፡ ማለተይ እቲ ንበረኻ ምኽያዱስ ምስቱ ዝነበሮ ሕንቃቐ ኣብ ዊንጌት ካብ 13 ዕድሚኡ ተዓፅዩ ምስቲ ዝነበሮ ክንክንን ፅርየትንስ ወፊሩስ ክምለስ’ዩ ኢለስ ኣይሓሰብክዎን፡፡በቲ ላዕልን ታሕትን በቲ ድኻም ርሕስያትን በቲ ጥምየት ዘጋጥሞ ዝምለስ ኮይኑ ኣይተሰመዐንን፡፡ናይ ኣምላኽ ጉዳይ ደኣ ተመሊሱለይ’ምበር።

ሕቶ፦ ንበረኻ ምውፅኡ መዓዝ ሰሚዐን?

ማማ ኣለማሽ፦ ኣብ ክልተ ዓመቱ’ዩ ወረቐት ልኢኹለይ፡፡ በቃ ድሕሪ ሕዚ ኣነ ኣይወድኽን ኣብ በረኻ ወድዓደይ ተዓቑበ ኣለኹ። ንዓይ ብዙሕ ኣይትጨነቒ ኢሉ ሊእኹለይ

ሕቶ፦ እንታይ ምስ ሰምዐ’ዩ ሊኢኹለን እታ ደብዳቤ?

ማማ ኣለማሽ፦ ክደልዮ ኸይደ ነይረ

ሕቶ፦ ናበይ?

ማማ ኣለማሽ፦ በዚ ብሽረ ገይረ ብሽራሮ ክሳዕ ባድመ ክሳዕ ሻምቡቆ እንዳጠየቅኩ ኣሎዶ እናበልኩ ከይደ ኔረ፡፡ሕዚ ከምዝደልዮ ዘለኹ ፈሊጡ ክረኣየኒ ኣይደለየን፡፡ኣነ በዚ ክኸውን ንሱ በዚ እናዘረ ንገዛይ ምስ መፃኹ ግን ከምኡ ዝብል መልእኽቲ ሊኢኽለይ።

ሕቶ፦ እስቲ መለስ ብህፃኑ ካብ ዝሰርሖ ዝተዛረቦ ኩሉ ግዘ ዝዝክረኦ ይንገራኒ?

ማማ ኣለማሽ፦ እንታይ ይመስለካ ተዓንቂፈ እግረይ እታ እግረይ ተዓንቂፈ ደም ክደሚ ጀሚረ፡፡ ምስ ደመኹ ዋይ ተቐንዚኺዲኺ? ኢሉ እንትፍታፍ ገይሩ ፀሪጉ እዛ ቁስለይ ሓኪምዋ ማለት’ዩ ጡጥ ገይሩ ሸፋፊንዋ ንሳእየ ዝዝክራ ምስ ጎረባብቲ ኮይንና ኩሉሻብ ነውገዓላ፡፡በዚታት’ውን’ዩ እቲ ሩህሩህ’ዩ ዝበልኹኻ፡፡

ሕቶ፦ ብፅቡቕ ኣብነት ካብ እትሪኦኦም ዝነበርክን መታዓብይቲ መለስ ሕዚ እንትዝክርኦም ኸ?

ማማ ኣለማሽ፦ እወ ኣዕርኹቱ ነይሮም ከምኡ ጎበዛት ተምሃሮ ሓደ ኣፅብሃ ዳኘው ስውእ’ዩ እዃ ኣፅብሃ ዳኘው ናይ ብሓቂ ዓርኩ’ዩ ነይሩ ዋላ በረኻ እንተይ ከዱ ከለው ንዓዓቶም ይዝክር፡፡ይመፁ ናብዚ ገዛ’ውን ብፅቡቕ ገፅ ልክዕ ከምቶም ደቀይ ገይረ የቅርቦም ኔረ፡፡

ሕቶ፦ መለስ ብቖልዑ እናሃለወ ብዛዕባ እቶም ዝነበሩ ገዛእቲ ፅልኣተየ የውገዐኩም ዶ?

ማማ ኣለማሽ፦ ነብኡ ብዛዕባ መሬት ካሊእ’ውን የውግዖም ነይሩ፡፡ኣብኡ ናይ ኣቦኦም መሬት እስኻ ወሲድኻለይ ንስኻ ወሲድኻለይ ዶ ይበሉ ምስቶም ሓረስቶት ክላ ኣንታ ኣበባ ኣኽፊእኻዮ’ውን ኢኻ ንዓኻ እዚ ኹሉ መሬት እንታይ ክዓብሰልካ’ዩ እዚ ኩሉ መሬት ንበይንኹም ሒዝኩምዎ እንታይ ክገብረልኩም’ዩ እዚኣ ይብሎም ነይሩ ነብኡ።

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories