11 ለካቲት መንፀፍ መንነትን መቐይሮ ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ

(መሓሪ ዩሓንስ )

ዓሰርተ ሓደ ለካቲት ካብቲ ናይ 17 ዓመት መሪርን ፈታን ቃልሲ ዝዘለለ ትርጉም ኣለዋ፡፡ እዚ ዝኸውን ድማ ሕሉፍ ታሪኽ፡ ህልው ኩናታትን መፃኢን ትግራይ ብመነፀር 11 ለካቲት ምርኣይ ምስ እንኽእል እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ኣብ ዓለም ውርያት ስልጣነታት ዘመዝገቡ ህዝብታት ሓደ እናሃለወ፤ ብሽርሕታት ሽዋን መንግሰቲ ጥልያን ን ኣስታት 100 ኣመታት ኣብ ገሃነም ክነብር ተገዲዱ፡፡ ታሪኹ ተሰሪቑ፡ ኣብታ ዝምሰረታ ሃገር ከም ጋና ተቖፂሩ፡ ካብ ዝመስረቶ ስልጣነን ባህልን ተገሊሉ፡ ካብ ልምዓት ተነፂሉ፡ ተሰዲዱ፡ ተናዒቑ፡ ቆማልን ረሳሕን ተባሂሉ፡፡ ኮታስ ሓሲሩን ተፈንፊኑን፡፡ ካልእ ይትረፍ እቶም ኣሕዋትናን መዋልድናን ኤርትራውያን ኣኳ ትሕቲ ሰብ ገይሮማንና ንዘለኣለም መፍሰስቲ ድኹዖምን መልወልቲ ሰሚንቶኦምን ክንከውን ተመንዮምልና፡፡

ሻላ እቲ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ዝተወልዐ ብረታዊ ቃልሲ ግና እዚ ናይ 100 ዓመት ስቅያትን ውርደትን ተሳዒሩ፡፡ ነቲ ታሪኽናን ስልጣነናን መንዚዑ ዘዋረደና ስርዓት ካብ ስሩ ቦርቂቕና ንሓንሳእን ንሓዋሩን ሲዒርናዮ፡፡ ነቶም ዝነዓቑና ኤርትራውያን ኣሕዋትዋትና ድማ ፀሊኦም ከኽቡሩና ገይርናዮም፡፡

ሐዚ ድማ ወነንቲ ባህልናን መንነትና ኮና ኣለና፡፡ ጎይታ ባዕልና ኮይና፡፡ ንባዕልና ሓራ ወፂእናስ ንካልኦት ጩቁናት ኢትዮጵያውያ `ውን በፂሕናሎም፡፡ ከቢርና፡ ንኻልኦት ክኽበሩ ጌርና፡፡ እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያዊ መድረኽ ተምሳሌት ክብርን ማዕረነት ደቂ ሳባት ይገብሮ፡፡

ይብዛሕ ይንኣስ ኣብ ጎዳና ልምዓት `ውን ንርከብ፡፡ ምስ ዓንቀፍቀፉን ደርገፍገፉን ኢትዮጵያ ኣብ ፈጣን ልምዓት ትርከብ፡፡ 11 ለካቲት እዚ ብትግራይን ብሃገርን ደረጃ ዝምዝገብ ዘሎ ልምዓት ንክመፅእ መንፀፍ ሰላምን ዴሞክራስን ኮይና ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ነቲ ልምዓት ዝመርሕ አተሓሳስባ ዘፍለቑ ውላዳት ለካቲት እዮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ልምዓት ካብ ምምዕዳው ሓሊፉ ቀላሲ ልምዓት ኢትዮጰጵያ ኮይኑ፡፡

ስለዚ 11 ለካቲት መንፀፍ መንነት መቐይሮ ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ከመይ ዘይትኸውን? ህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ክብሩን መሊሱ ኣያ ልማዓት ኢትዮጵያ `ውን ኮይኑ፡፡

ብዝበለፀ ግን 11 ላካቲት ኣብ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ እናተኾልዐት ምእንታን ክትነብር፤ እዚ ወለዶ ገዚፍን ተዓፃፃፋይን ራኢ ክሰንቕን ንዑዑ ድማ ከም ኣያታቱ ክስዋእ ክዳለው ኣለዎ፡፡ ናይ ሐዚ ወለዶ ዝኸፍሎ መስዋእቲ ቀሊል እዩ፡፡ ከም ናይ ቀደም ብጥይት ተሰሊዕኻ፡ ብፈንጂ ተቖራርፅካ፡ ብቑምብላታት ነፋሪት መዓንጣኻን ኣዕፅምትኻን ተሓዋዊሱ ምማት ኣይኮነን፡፡ ናይ ሎሚ ኣብ ሰላም ንልምዓት ህዝቢ ዝግበር ኣተሓሳስባን ስራሕን መሰረት ዝገበረ መስዋእቲ እዩ፡፡

ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ሕልሚ ይሕለም፡፡ ራኢ ይሓዝ፡፡ ንሕና ደቂ እቶም ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ኣጀብ ዘበሉ ውፅኢታት ስልጣንነን ጥበብን ዝሰርሑ ተጋሩ ኢና፡፡ እንተኾነ ግን ኣብ ታሪኽ ኣይንነብርን፡፡ ንሶም ናቶም ሰሪሖም ሓሊፎም ኣለው፡፡ ንሕና `ውን ናትና ንስራሕ፡፡ ድሐሬና ዝመፅእ ወለዶ ካልእ ታሪኽ ንክሰርሕ ባይታ ነሞቻቹ፡፡ መብዛሕቲኡ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ገደላማ ደረቕ ቦታታት እናነበረ ከይተሰደደ ዝለምዓሉ ኩነታት ንመራመር፤ ትግራይ ገፅ ጥምየት ዳግም ከይትሪኢ ንስራሕ፤ ኣብ መሬት ትግራይ ዘለው ፀጋታት ኣብ ትግራይ ናብ ምህርቲ ተቐይሮም ናይ ዓለም ዕዳጋ እንዕብልለሉ መንገዲ ንምሃዝ፤ ብምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ዓለም ተወዳደርደቲ ኬና ንህዝቢ ትግራይ ክብሪ ነጎናፅፎ …

ነዚኦም ኩሊኦም ዝኽፈል መስዋእቲ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ፡፡ ውልቃዊ ረብሓኻ ብናይ ሓፋሽ ረብሓ ምግዛእ፡ ግዝያውን ርካሽን ሙቸት ገዲፍካ ምንባብን ምርማርን፤ ዘይምስራቕን ብልዕልና ሓፋሽ ምእማን፤ ኣብ ዓላማኻ ፅኑዕ ምኻን … ዝኣመሳሰሉ እዮም፡፡ እዚ ምስንእንገብር ናትና ወለዶ ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ኣብ ዘለቒ ልምዓት ዝተመስረተ ኢድስትርል ኢኮኖሚ ምኻኑ የረጋግፅ፡፡ ናይ ፅባሕ ወለዶ ድማ ኣብ ምጡቕ ምርምር ተሰሊፉ ኣብ ሳይንስ ኒክልየርን ህዋን ታሪኽን መንነት ህዝቢ ካብ ኣፅናፍ ናብ ኣፅናፍ የጋውሕ፡፡

ስለዝኾነ ትርጉም 11 ለካቲት ክብረሃካ እንተደሊኻ፤ ንድሕሪ ተመሊስካ ታሪኽን መንነት ህዘቢ ትግራይ ርኣይ፡ ዘለኻሉ ኩነታት ተኩር ከንካ ብንፁህ ልቦና ገምግም፡ ብዝበለፀ ድማ ንፅባሕ ኣድማሳት ሰማይ ዝፍንጥሕ ህዛባዊ ራኢ ተዓጠቕ፡፡ ብዝተረፈ ነቶም ኣብ ንፁህ ታሪኽ 11 ለካቲት ዝልዝዩ ፃዕዳ ምፅላም ስለዝኾነ ቦታ ኣይትሃቦም፡፡

********

Daniel Berhane

more recommended stories