ገምጋም ኣብ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ፣ ትርጉምን ውፅኢትን ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ መደብናን ቐፃሊ ተጋድሎናን

(ወይን መፅሄት ንድፈ ሓሳብ ህወሓት፤ ሰነ-ነሓሰ 2009)

ብመሰረት ውሳነ ውድብና ውሽጢ ውድብ ቓልሲን ምንቅስቓስን ዝመርሖ ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ካብ እንጅምሮ ኣዋርሕ ኣቑፂርና ኣለና። ስለዝኾነ ድማ ናይዚ ብውዑይ ናይ ቓልሲ መንፈስ ጀሚርናዮ ዘለና ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ናይ እስካብ ሐዚ ውፅኢቱ መሰረት ብምግባር ፖለቲካዊ ትሕዝቶ፣ ትርጉም፣ ዝሃበና ትምህርትን ተመኩሮን ክንርኢ ኢና። ንቐፃሊ ቓልስና ዘሸከመና ሕድሪ ተረዲእና ኣብ ቐፃሊ ገድላዊ ቓልስና፣ ርብርብናን ኣብ ምንታይ ክነትኩር ከምዝግበአናን ኣነፂርና ክንቃለስ ንምግባር ብዘኽእል ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

1. ገምጋም ኣብ እንታይነት፣ ፖለቲካዊ ትርጉምን ውፅኢት ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ መደብናን

ውድብና ከም ኣመሉ ሎሚ እውን ብዕሞቆት ይህደስ ኣሎ። ኩሉ ግዘ ንምህዳስ ውድብና መበገሲ ዝኾኑና ውድብና መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ኣብ ውሁብ ልዕልነት ኣካብነት ክራይ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ኮይኑ፣ ካብዚ ውሁብ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ነፃነቱ ሓልዩ ፣ ተጋዲሉን ተቓሊሱን ነቲ ልዕልነት ዘለዎ ኣካብነት ክራይ ብልምዓታውን ዴሞክራስያውን ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ዝቃለስ ውድብ ብምዃኑ እዩ።ኣብዚ ከይዲ ጉዕዞ ቓልሲ እዚ ድማ ኣመራርሓ ውድብና ብቑዕ ወያናይን ዴሞክራሲያዊን ኣርኣያን ተግባርን ሒዙ በቶም ውድብና ካብ ዴሞክራስያዊ ባህሪኡ ዝሓንፀፆም ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓታትን መምርሕታትን ብድምር ብቑዕ ወያናይ ኣረኣእያን ተግባርን ሒዙ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዘየቋርፅ ደርባዊ ቓልሲ፣ ህንፀትን ኢንዶክትሪኔሽንን እንተካይድ ወያናይ ባህሪኡ ሓልዩ ብቑዕ መራሒ ህዝቢ ዝኾነሉ፤ ካብዚኦም መትከላት እዚኦም ዝንብል ኣብ ዝበለሉ ድማ ሓደጋ ምብስባስን ምስግጋር ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርብን ዘይተርፍ እዩ። ስለዝኾነ ውድብና ኩሉ ግዘ ንውሽጡ እናፈተሸን እናተሃደሰን ክኸይድ ይግባእ። ኣብዚ ሐዚ ጀሚርናዮ ዘለና ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝረአናዮ ቐንዲ ጉዳይ እውን ካብዚ መድረኻዊ ባህሪ ዝብገስ እዩ።

ብመንፅር እዚ ውሽጢ ውድብና ዝመርሖ ብዕሞቆት ምህዳስ ኩሎም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ዛጊድ እንታይ ዓይነት ዓወታት ኢና ኣረጋጊፅና ዘለና ኢልና ንቐፃሊ ቓልስና ትምህርቲ ብዝህብ ክንድምድም ኣለና። ናይዞም ዓወታት ትሕዝቶን ፖለቲካዊ ትርጉምን ተንቲንና ዝፈጠርሉና ዕድልን ብድሆታትን ክንርኢ ኣለና። ነቶም ዕድላትና ፀንቂቕና ብምጥቃም ነቶም ብድሆታት ንምእላይ ድማ ቐፀልቲ ናይ ትኹረት ኣንፈታትና ክነንፅር ይግበኣና። ነዚ ተሓሳቢ ዝገበሩ መበገስታት ድማ ከምዝስዕብ ቐሪቦም ኣለዉ። ካብዚ ናይ ክሳ ሐዚ ብዕሙቆት ምህዳስ መደብና ኣፈፃፅማናን ውፅኢቱን ተበጊስና ክንበፅሖ እንኽእል ፖለቲካዊ መደምደምታን ክንወስዶ እንኽእል ትምህርትን ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

1.1. ዓወታት (Achievements) ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና

ካብዚ ናይ ሐዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ዘረጋገፅናዮም ዓወታት ቆፂርና ብምሓዝ ንቐፃሊ ጉዕዞ ቓልስና ትምህርቲ ብዝህቡና መልክዕ ንምርኣይ ኣብቶም መሰረታዊ መደምደምታት ብምትኳር ከምዝስዕብ ቐሪቦም ኣለዉ።

1.1.1. ኣብ ውሽጢ ውድብና ንናይ ወያናይ ኣረኣእያን ተግባርን ፅርየት ምችው ኩነታት ፈጢርና ኣለና

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኣብ ውሽጢ ውድብና ናይ ወያናይ ኣረኣእያ ፅርየት ምርግጋፅ ጀሚርና ኣለና፤ ክንብል ከለና ካብዚ ናይ ሐዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ጥራሕ ነፂልና ብምውሳድ ኣይኮነን። ነቲ ድሕሪ መበል 12 ጉባኤና ዘካየድናዮ ቓልሲ እውን ተሓሳቢ ብምግባር እዩ። ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ መበል 12 ጉባኤና ዘካየድናዮ ቓልሲ ምስቲ ናይ ሐዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ተደሚርዎ እዞም ዝስዕቡ መደምደምታት ምቕማጥ ይካኣል እዩ።

(ሀ) ኣብ ውሽጢ ውድብና ናይ ኣረኣእያ ፅርየት ምርግጋፅ ጀሚርና ኣለና

ከምቲ ኣብ ናይ ተሃድሶ መስመርና ብግልፂ ዝተቐመጠ ጉዕዞ ህዳሰና ዕውት ዝኸውን ኣብ ናይ ኣባላትና ብቑዕ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣብኡ ዝምስረት ናይ ኣባላትና ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስብእናን ፅንዓትን ከምዝኾነ ዝተሰመረሉ ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ብዕሞቆት ንምህዳስ መበገሲ ዝኾነናን ኣብ ኣፈፃፅምኡ ኣረጋጊፅናዮ ዘለናን ናይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን እናተዘሓሓለ ስለዝመፀ ፖለቲካዊ ህይወት ኣመራርሓናን ኣባልናን እናተዳኸመ ኣብ መትከላዊ ቓልሲ ዝተመስረተ ሓድነቱን ዓቕሙን እናተለዋወሰ መፂኡ እዩ።

ካድረናን ኣባልናን ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብፅንዓት ጨቢጡ፣ ኣጋላቢጡ ፈሊጡን ምስ ኹነታት እናዛመደን ናይ ተግባር መምርሒኡ እናገበረን ብቑዕ መራሒ መድረኽ ዝጠልቦ ሕቶ ኣብ ምዃን መሰረታዊ ፀገም ከምዝነበሮ ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ካብዚ ዝብገስ ካድረናን ኣባልናን ኣብ ሕድሕድ ምንቅስቓሱ ንዝሓዞም መደባት ንህዝቢ እናእመነ፣ ኣብ ፅላል እቲ መስመር እናዕሰለ፣ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ እናፈጠረን ብውፅኢት እናነበረን ኣብ ምምርሑ መሰረታዊ ፀገም ከምዝነበሮ ጎሊሁ ወፂኡ እዩ።

ኣብ ፅኑዕ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዝተመስረተ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስብእና እናጎልበተ ነቲ ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገበርሉ ብቑዕ መራሒ ከምቶም ኣያታቱ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ሽምዓ ናብ ምዃን ከምዘይተሰጋገረ ብዕሞቆት ተገምጊሙ እዩ። ብውፅኢቱ ድማ እቲ ቀንዲ ሃፍትናን ሓይልናን ዝኾነ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመርና ጨቢጥና ነቲ መስመርና ዝምጥን ናይ ኣረኣእያ ፅርየትን ውፅኢታዊ ተግባርን ኣብ ምርግጋፅ ንፅገም ከምዘለና ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ነቲ ቀንዲ ሃፍትና እናሸምረርና ብተግባር ተኣምር ከይሰርሕ ንስንክሎ ከምዘለና ኣብዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስና ግልፂ ኮይኑ ወፂኡን ምቅልላስ ተገይርሉን ኣሎ። እዚ ኩነታት እዚ ብዝፈጠሮ ክፍተት ኣብ ውሽጢ ውድብና እቶም ናይ ስርዓትና ሓደጋን ፈተናታትን ዝበልናዮም እናሰፍሑን ሱር እናሰደዱን ዝኸድሉ ኩነታት ከምዘሎ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሕሎም ኣሎ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ካድረናን ኣባልናን ኣብ ውሽጡ ዝተሸከሞም ድሑራት ኣረኣእያታት ክንደየናይ ሓደገኛታትን ንወያናይ ዴሞከራስያዊ መስመርናን ካብቲ መስመር ተጠቃማይ ንዝኾነ ህዝብናን ከምዝጎድኡን ምስትውዓል ጀሚሩ ኣሎ። ገሊኡ ደቂሱ ገሊኡ ድማ ተፋዚዙ ዝነበረ ምብህራር ጀሚሩ እዩ።

እዚ ውፅኢት ድማ ሓደ መሰረታዊ ዓወትን መበገሲ ዓቕሚ ንቐፃሊ ቓልስናን ኮይኑ ኣሎ። ካድረናን ኣባልናን ካብቶም ዝነበርዎ ቀንዲ ፀገማት ናይ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪያት ምሽርሻርን ምዝባዕን ኣረኣእያ ባህሪሩ ናብ ናይ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ቦታኡ ምምላስ ጀሚሩ ኣሎ። ናብ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያኡ ኣብ ምምላስ ተስፋ ዝህብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ እዩ። ባህርን ምዝባዕ ኣረኣእያን ኣመራርሓና ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላስ ዝጀመርናሉ ብምዃኑ ድማ መሰረታዊ ዓወት ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኮይኑ ኣሎ።

(ለ) ኣብ መትከል ዝተመስረተ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ምጉልባት ጀሚሩ ኣሎ

ናይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ምጥንባው ዝፈጠሮ ኣብ ናይ ኣሰራርሓ ግልፅነት እናተዳኸመ ከምዝመፀ ኣብቲ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ጎሊሁ ወፂኡ እዩ። እዚ ዝፈጠሮ ፀገም ዘይፍትሓውነትን ፀረ-ዴሞክራስያውነትን እናተፈጠረ ኣብ ውሽጢ ውድብና ኣብ ናይ ኣሰራርሓን ኣረኣእያን ሓድነት ዝተመስረተ ቓልስን ምትህንናፅን እናተዳኸመ መፂኡ እዩ። መትከላዊ ቓልሲ፣ ምትህንናፅን ብፃያዊ ምትሕግጋዝን እናተደኸመ ኣብ ክንድኡ ናይ ውልቀ ምትእስሳራት እናጎልሁ ዝመፅእሉ ኩነታት ከምዘሎ ብዕምቆት ተገምጊሙ እዩ። ኣብ ተሓታታይነትን ነፃነትን ዝተመስረተ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ውሽጢ ውድብ እናተጎሃሃረ ብዘይምኻዱ፣ ናይ ኣመራርሓናን ኣባላትናን ኣብ መትከል ዝተመስረተ ዴሞክራስያዊ ተሳትፎ እናፀበበ ከምዝመፀ ብዝርዝር ተገምጊሙ እዩ።

እዚኦም ብጭቡጥ ከምዘለዉ ኣብቶም ዝነበሩና መድረኻት ወፂኦም ናብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዘብፅሕ ቓልሲ ተገይርሎም እዩ። ናይዚኦም ሓደጋ ብመንፅር ዘለና ረዚን ህዝባዊ ሓላፍነትን ሕድሪ ስውኣትናን ኩሉ ተሰሚዕዎ ተቓላሊስሉ እዩ። ካብቶም ፀገማት ንክወፅእ ከም ካድረን ኣባልን ወሲኑ እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ መትከላዊ ቓልሲ ዘምፀኦ ናይ ኣረኣእያ ሓድነትን ድልውነት ቓልስን ምጅማርና ድማ ተደማሪ ዓወት ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኮይኑ ኣሎ።

(ሐ) ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ናብ ቦትኡ ንክምለስ ብቑዕ ቓልሲ ተጀሚሩ ኣሎ

ምስ ባህሪ እዚ ውድብና ዝመርሐሉ ዘሎ ልዕልነት ዘለዎ ኣካብነት ክራይ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ንውድብና ዝመርሕ ዘሎ ወያናይ ሙሁር ተተሓሒዙ፣ እቲ ንውድብና ዝመርሕ ዘሎ ወያናይ ሙሁር ናይ ቓልሲ ዋዒ ከም ናይ መቐሎ ተመሳሳልነት ዘለዎ ዋዒ ቓልሲ ሒዙ ከምዝመርሕ መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮ ጉዳይ እዩ። “ሓደ ግዘ ቀልጢፉ ይውዒ፣ ካሊእ ግዘ ድማ ቀልጢፉ ይጥምብው” ብዝብል ብግልፂ ኣነፂርዎ እዩ።

ኣብዚ ናይ ብዕምቆት ምህዳስ መደብና ዝተረጋገፀ ሓቂ እውን እዚ እዩ። ኣብ ውሽጢ ንውድብና ዝመርሕ ዘሎ ኣመራርሓ ካድረን ኣባልን ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪኡ እናተሸርሸረን ኣረኣእያኡ እናተዛበዐን ብምኻዱ ዝሓዞ ስልጣን ንናይ ባዕልኻ ክብርን ማቻን ናይ ምጥቃም ኣተሓሳስባን ዝንባለታትን እናማዕበሉ ከምዝመፁ ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ወያናይ ባህርን ኣረኣእያን ኣመራርሓናን ካድረናን እናተሸርሸረ ብምምፅኡ ንዝሓዞ ስልጣን መሐለዊ ናይ ውልቁ ማቻን ክብሪን እናገበረ ምውሳድ ዝጀመረሉን መግለፅታት ፅግዕተኛ ኣረኣእያን ተግባርን ዝኾኑ ፀረ-ዴሞክራሲ፣ ከባቢያዊነት፣ ዝንባለታት ፀቢብነት ፣ ግዕዝናን ብልሽው ኣሰራርሓን ኣብ ውሽጡ እናገወዱ ከምዝመፁ ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ነዚኦም ከም መሳርሒ እናተጠቐመ ዝሓዞ ስልጣን ከም መንበሪ ምጥቃም ከምዝጀመረ ኣብቲ ውሽጢ ዝመርሖ ናይ ምህዳስ መደብና ብዕሞቆት ተገምጊሙ እዩ።

እዚ ዝወለዶ ኣብቲ ቑልፊ መድረኽ ቓልሲ ዝኾነ ውሽጠ ውድብ ፀረ-ዴሞክራሲ፣ ብዋናነት ብኣረኣእያ ዝግለፁ ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን እናጎልበቱ ዝኸድሉን ናይ ወያናይ ኣረኣእያ ምሽርሻር ከምዘሎ ብግልፂ ወፂኦም ብዕሞቆት ተቐላሊስናሎም ኢና። እዚኦም ብእዋኖምን ብዘይምሕረትን ተቐላሊስና እንተዘይኣወጊድናዮም ወያናይ ባህሪ ውድብና ቐይሮም ውድብና ወያናይ ዴሞክራስያዊ ውድብ ካብ ምዃን ከምዘቋርፅን ሓደገኛ ኩነታት ከምዝፍጠርን ግልፂ መልእኽቲ ዝሓለፈሉን ኣብ ኣመራርሓናን ካድረናን ሓበራዊ ምርድዳእ ዝሓዘሉን ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።ካብዚ ዝብገስ ኣመራርሓና፣ ካድረናን ኣባልናን ሳዕቤን ናይዚ ኣብ ውሽጡ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ወያናይ ባህሪ ምሽርሻርን ምዝባዕ ኣረኣእያን ተገንዚቡ ንዝለዓለ ቓልሲ ዝተዳለወሉ ዋዒ ቓልሲ ተፈጢሩ እዩ። እዚ ምፍጣሩ ድማ ኣብ መትከላዊ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ዝተመስረተ ወሳናይ ዓቕሚ ውድብናን ውፅኢት ዓወት ብዕምቆት ናይ ምህዳስናን ኮይኑ ኣሎ።

1.1.2. ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘየቋርፅ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ምውላዕ ጀሚሩ ኣሎ

ዘየቋርፅ ናይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ህይወትን ቓልሲን ምውላዕ ብሕታዊ መንገዲ ዓወትና ከምዝኾነ ሓበራዊ ግንዛበ ፈጢርና ኣለና። ከምቲ ልዕል ኢሉ እናተገለፀ ዝመፀ ኣመራርሓናን ኣባልናን ብዝነበርዎ ናይ ወያናይ ባህሪ ምሽርሻርን ናይ ኣረኣእያ ምዝባዕን ኣብ ውሽጢ ውድብና ሓደጋታትን ፈተናታትን ምብስባስ ይጉልብቱ ከምዘለዉ ብግልፂ ገምጊሙን ተቐላሊሱን እዩ። ካብ ውልቀ ዝጅምር ንውድብና ናብ ንቡር ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪኡ ንክምልስ ወሲኑ እዩ። ነዚ ድማ ከም ሓደ ወሳናይ ዓወት ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ከምዝኾነ ልዕል ኢልና ደምዲምናዮ ኣለና።

ምስ እዚ ዝተሓሓዝን ከም ተደማሪ መሰረታዊ ዓወት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስናን ቓልስናን ገይርና እንወስዶን ድማ ኣመራርሓናን ካድረናን ንናይ ውሽጢ ውድቡ መድረኽ ቁልፊ መድረኽ ቓልሲ ገይሩ ብምውሳድ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘየቋርፅ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልሲን ምውላዕ መድሕኑን መድሕን ዝቃለሰሉ ዘሎ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ዕላምኡን ከምዝኾነ ብግልፂ ዘስመረሉ ጉዳይ ምዃኑ እዩ።

ኣመራርሓናን ኣባልናን ንመድረኽ ውድቡ ከም ቁልፊ መሳርሒ ውዑይ ወያናይ ተግባር፣ ከም መድረኽ ዘየቋርፅ መወልዒ ደርባዊ ቓልሲ እናተጠቐመ ሰፊሕን ዓሚቑን ናይ ህንፀት፣ ኢንዶክትሪኔሽንን ናይ ኣረኣእያ ቓልስን ብምጥቃም ብቑዕ ወያናይ መራሒ ህዝቢ ንምዃን ዝወሰነሉ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። ብኸምዚ ዝበለ ኣንፈት ቓልሲ እናተመርሐ ነቶም ኣብ ገምጋሙ ዝረአዮም ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብዘይምሕረት ብምቅላስ ውድቡ ንመድረኻዊ ተልእኾኡ ንክበቅዕ ወሲኑ ኣሎ። መድረኻዊ ዕማምና ዝጠልብ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብፅንዓት ዓትዒቱ ብምሓዝ ኣብ ውሽጢ ውድብ ሰፊሕ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ግልፅነትን እናዓምበበ ንክኸይድ ብዝሓሸ ቑርፀኝነት ወሲኑ እዩ። ከምዚአ ገይሩ እንተዘይተቓሊሱ ሐዚ እናዓበየት ትኸይድ ዘላ ዕድል፣ መንገዲ ጥፍኣት ዝኾነት ዕድል ከምዝኾነት ጉዳይ ክልሰ ሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ሓቂ ከምዝኾነ ተገንዚቡ እዩ። ናብዚ መደምደምታ እዚ ብዝሓሸ ልባዊ ምርድዳእ ምብፅሑ ድማ ብሓደጋ “ኣርማ ጌዴኦ” እናባህረረ ንዝለዓለ ቓልሲ ስለ ዘዳልዎ ኣብ ብዕሞቆት ምህዳስና ዝተመዝገበ ናይ ኣረኣእያን ግልፅነትን ዓወት ተገይሩ ክውሰድ ዝግበኦ እዩ።

ነዚ ውሳነ እዚ መሰረት ብምግባር እውን ጭቡጣት ተግባራዊ ስራሕቲ ተጀሚሮም ኣለዉ። ከምቲ ኣብ ምንቅስቓስ ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝረአናዮ ኣብ ውሽጢ ውድብን ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መንግስትናን ስራሕቲ ዳግመ ውዳበን ኦሬንተሽንን ተጀሚሮም አለዉ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝግበሩ ዝተጠናኸሩ ስራሕቲ ኢንዶክትሪኔሽንን ህንፀትን ብብቕዓት ዘተግብሩ ስራሕቲ ይካየዱ ኣለዉ። ንናይ ውድብና ኣሰራርሓን መምርሕን መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ማንዋላት፣ “ቤንችማርክ”ታትን “ስታንዳርድ”ን እናወፁ ናይ ተግባር መሳርሒ ምዃን ይጅምሩ ኣለው። ነቲ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ምልዕዓል ቓልሲ ናብ ተግባር ንምሽራፍ ትልምታትና ከሊስና ኣመራርሓን ኣባልን ውድብና ብውፅኢትን ውፅኢትን ጥራሕ ዝነብረሉ መስርሕ ኣነፂርና ናብቲ ወሳናይ ግጥም ዝካየደሉ ምዕራፍ ተግባር ተሰጋጊርና ኣለና።

1.1.3. ኩሎም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ንዝለዓለ ቓልሲን ዓወትን ተዳሊዮም ኣለው።

ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብናን እስካብ ሐዚ ውፅኢቱ ዝረአናዮን፣ እቲ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተሓፀረ ኣይነበረን። ውሽጢ ውድብ መትከላዊ ቓልሲ ዝመርሖ ኣብ መሓውር ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መንግስትናን ኣብቲ በዓል ዋና ዕላማታትን ወያናይ ዴሞክራስያውን መስመርና ዝኾነ ህዝብናን እውን ብዕምቆት ተኻይዱ እዩ። እቲ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኣብ ውድብና ከይተሓፀረ ኣብ ኩሎም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ፅርየት ኣረኣእያ ማእኸል ገይሩ ብዕምቆት ምፍፃሙ ድማ ፖለቲካዊ ዓወቱ ረዚን እዩ።

እቶም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት እንብሎም ዘለና ብመሰረቱ እቶም ወየንቲ ደርብታት ወይ ድማ ሕብረተሰባዊ መሰረት ውድብና እዮም። ስለዚ ኣመራርሓ ውድብና ኣብ ባዕሉ ከይተሓፀረ ንባዕሉ ወይኑ ነቶም ወየንቲ ደርብታት እውን ንከወይኖም ምንቅስቓስ ገይሩ እዩ። ወየንቲ ደርብታትና ወይኖም ማለት ድማ ወያናይ ኣረኣእያን ተግባርን እናወነኑ ንኣመራርሓና ተመሊሶም ከወይንዎ እዮም። ካብቲ ብቓልሶም ዝወነንዎ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ክረኽብዎ ዝኽእሉ ረብሓ ክጎድሎም ከሎ ንረብሓኦም ብፅንዓት ጠጠው ኢሎም ምቅላስ ክጅምሩ እዮም። እዚኣ ድማ ኣብዛ ናይ ሐዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብጭቡጥ ተራእያ ኣላ። ዝተኣሳሰረት ዋዒ ሒዝና ምስ ኣብ ተግባር ዝግበር ቓልሲ ዝያዳ እናጎሃሃርናየንን እናጠናኸርናየንን እንተኸይድና ብግድን እውን ክንገብራ ኢና፤ ወያናይ ባህሪ ውድብና ኣብ ነቕ ዘይብል ሽኻል ንስርት ኣለና ማለት እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ ዓብይ ዓወት የለን።

ካብዚ ብተወሳኺ ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት መስመር ተሃድሶና ዝፈጠረሎም ዕድላት ምስ ሃፍተ ገነቶምን ፀጋታቶምን ፀንቂቖም ንምጥቃም ንናይ ኣመራርሓ ሳይንስናን ጥበብናን ብፅርየት ከየተግብሩ ዝሓልክዎም ዝነበሩ ናይ ኣረኣእያ፣ ክእለት፣ ኣሰራርሓን እታወታትን ማሕንቓት ብዝርዝር ፈቲሾም ብዕምቆት ተገማጊሞምን ተነቓቒፎምን እዮም። ካብዚ ዝብገስ ብተነፃፃሪ ዓብይ ለውጢ ዘረጋግፅ ካብ ውልቀ ዝጅምር ናይ ማሕበራዊ ውዳበታቶም ትልሚ ኣውፂኦም ኣለዉ። ኣብ ትልምታቶም ዝሓሸ ልባዊ ምትእምማንን ንተግባራውነቱ ምልዕዓልን ፈጢሮም እዮም። ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደቦም ድማ ብጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ዝተመሰረቱ ስራሕቲ ተግባር ምዕራፍ ብዝለዓለ ወነ ቓልሲ የቀፃፅልዎ ኣለዉ።

1.1.4. ብተነፃፃሪ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ምትእምማን ኣብ መንጎ ኣመራርሓ፣ ውድብን ህዝብን ምፍጣር ጀሚሩ ኣሎ፤

ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘይወያናይ ባህርን ምዝባዕ ኣረኣእያን ብዝተረኣየሉ መልክዕ ብእዋኑ እንተዘይተመኪቱ ቀስ እናበለ ኣብ ውሽጥና ንዝነበረ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ሓድነት እናሸርሸረ ንውድብና ካብ ምስ ህዝብና ዘለዎ ነቕ ዘይብል ብክቡር መስዋእትነት ዝተኣሳሰረ ገመድ እናመንመነ፣ ንናይ ውድብና ወያናይ ባህሪ ቐይሩ ናብ ምብስባስን መወዳእታኡ ድማ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ነንባዕልና ምብልላዕን ምብትታንን ከምዘእትወና መስመር ተሃድሶና ብዕሊ ዘስመረሉ ጉዳይ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሐዚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስናን ቓልስናን እውን ነዚ መስመር ተሃድሶና ብሳይንሳዊ መንገዲ ተንቲኑ ዘነፀሮ ሓቂ እዩ ኣርእዩና። መሰረታዊ ትሕዝቶኡ እውን ኣብቶም ዝስዕቡ ኣካላት ተፈጢሩ ዝነበረ ቀስ ብቀስ እናዓበየ ዝመፀ ምልሕላሕ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ሓድነት ኣብ ተሃድሶና ብዝርዝር ሪኢናዮ ኢና።

(ሀ) ኣብ መንጎ ኣመራርሓና ዝነበረ ምጥርጣር እናፀበበ ይመፅእ ኣሎ፤

ከምቲ ብተደጋጋሚ እናተገለፀ ዝመፀ ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝፀንሐ ምጥንባው ዴሞከራስያዊ ህይወትን ቓልስን፣ ናይቲ ኣመራርሓና፣ ካድረናን ኣባልናን ምሽርሻር ወያናይ ባህርን ምዝባዕ ኣረኣእያን እናጎልሀ መፂኡ እዩ። ካብዚ ዝብገስ ድማ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ፣ ማእኸላይ፣ ታሕተዋይን ተራ ኣባልናን ክህሉ ዝነበሮ ኣብ ቓልሲ ዝተመሰረተ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት እናተሸርሸረ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ዝጥርጥረሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ኣብ ኣመራርሓና፣ ካድረናን ኣባልናን ብመልክዕ ከባቢያውነት፣ በለፅን ምክእኣልን ካልኦት ብዕምቆት ዝገምገምናዮም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ሕመቓትን ድኹዒ እናኾኑ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ዝሓምየሉ፣ ዝጥርጥረሉን ግድድ ብዝበለ ድማ ደንበ እናሓዋወሰ ዝኸደሉን ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ውድብ ፀረ-ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ጉልበት እናረኸቡ ስለዝኸዱ ከምቲ ዝፀንሐ ባህሊ ውድብና ከምድሌትካ ተዛሪብካ ዘይትሓድረሉ ኩነታት፣ ግልፅነት እናጠፍአን ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓታትናን ትካላዊ ስርዓትናን እናተሰንከለ መፂኡ እዩ። ካብዚ ዝብገስ እውን ኣብ መንጎ ኣመራርሓና ሕመቓት ምትእጅጃል፣ ሓሜትን ወረን እናዓብለሉ ቅድሚ ፀላእትና ነንባዕልና ምብልላዕ ጀሚርና ነይርና።

ስለዝኾነ እውን ናይዚ ሐዚ ዝኣተናዮ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና መሰረታዊ ዓወት ዝበሃል ኣብዚ መዳይ ዝነበረና ፀገም ምጉላህ ምጅማርና እዩ። ከምቲ ኣብ ዝርዝር ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና እናረአናዮ ዝመፃእና ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝብል ኣንፈት ቓልሲ ኣነፂርና ኣብ ዝገበርናዮ መትከላዊ ቓልሲ እቲ ሓደ ብርኪ ኣመራርሓ ነቲ ካሊእ ብርኪ ኣመራርሓ ኣብ ዴሞክራስያዊ ሃዋህውን ግልፅነትን ኮይኑ ዝመሰሎ ኣልዒሉ እዩ። ነቲ ትኽክለኛን ጉግይ ሓሳብን ተግባርን ፈልዩን ተሃናኒፁን እዩ። ብኸምዚ ዝበለ ኣንፈት ቓልሲ ተመሪሕና ብምክያድና ድማ ኣብ መንጎ ኣመራርሓና፣ ካድረናን ኣባልናን ተፈጢሩ ዝነበረ ምሽርሻር ኣብ ቓልሲ ዝተመስረተ ሓድነትን እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ዝነበሮ ምጥርጣርን ምውጋድ ጀሚሩ ኣሎ።

(ለ) ንመሓዙት ዴሞክራስያዊ ውድባት ዝነበረ ምጥርጣር እናተመሓየሸ

መፂኡ እዩ፤

ምሽርሻር ወያናይ ባህርን ምዝባዕ ኣረኣእያን ወያናይ ዴሞክራሲን እናጎልበቱ እንትመፅኡ ስዒቡ ዝመፅእ ፅግዕተኛ ኣረኣእያን ተግባርን እዩ። ካብ ወያናይ መመዘኒ እናወፃእኻ ብፅግዕተኛ መመዘኒ ምጅማር ዘይተርፍ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝተረጋገፀ ሓቂ እውን እዚ እዩ። ወያናይ ክብርታት ኣመራርሓን ኣባልናን እናተሰለቡ ካብ ወየንቲ መትከላቱ ዘፈናትቱ ኣተሓሳስባታትን ዝንባለታትን እናዓበዩ መፂኦም እዮም። ኣብዚ መዳይ ዝነበረ ጉድለት ኣተሓሳስባ ብኽልተ መዳይ ዝተርአየ እዩ።

ከም ውድብ ፀቢብነት ከምዘይብልና ኣገላቢጥናን ብዕምቆትን ገምጊምናን ኢና። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እዚ ውድባዊ ገምጋም እዚ ኮይንና ናይ ፀቢብነት ኣተሓሳስባታትን ዝንባለታትን የለውን ማለትና ከምዘይኾነ እውን ግልፂ ገይርና ኢና። እኳዳኣስ በቶም ትምክሕተኛታት ኣብ ውሱናት ከባቢታት ሃገርና ብዝገበርዎ ፀረ-ተጋሩ ምንቅስቓስን እዚ ዝፈጠሮ ስምዒትን ናብ ፀቢብ ኣተሓሳስባ ከምዝወሰደ ተረዲእና ክንቀላለስ ከምዘለና ዘስመርናሉ ጉዳይ እዩ ነይሩ። ብተግባር እውን እዚ እዩ ኮይኑ።

ካብዚ ተበጊስካ እንትርአ ኣብ ክንዲ ወያናይ ዴሞክራስያዊ መስመርን ህዝብን ፈሊኻ ምርኣይ ብጃምላ ንኣሓት ውድባት ምጥርጣር ተራእዩ እዩ። ኣብ ፅላል ኢህወዴግ ብሓባር ተወዲብና ዘለና ውድባት ኩላትና ሓደ ዴሞክራሲያዊ ዕላማ እዩ ዘለና፤ ነዚ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ዕላማ ብሓባርን ብተናፀልን ንቕድሚት ኢና እንወስዶ ኢልካ ኣብ ክንዲ ንወያናይ ዴሞክራስያዊ መስመር ምርኣይን ደርባዊ ኣተዓቓቕና ሒዝካ ምቅላስን ብጃምላ ምጥርጣር ነይሩ እዩ። ውልቀ መራሕትን ፈፀምትን ብዝሰርሕዎ ጉድለት ከም ውድብ ደሚርካ ምጥርጣር ነይሩ። ይኹን እምበር ነዚ ብምርዳእ ኣብ ዝተገበረ ቓልሲ ኣብዚ መዳይ ዝነበሩ ዝተዛብዑ ኣረኣእያ ክስተኻኸሉን ምስ መቓልስቲ መሓዙት ውድባት ዝሓሸ ናይ ቓልሲ ሓድነት ክፍጠርን ክኢሉ እዩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ሓደ ኣገዳሲ ዓወት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኮይኑ እዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣመራርሓናን ካድረናን ምስ ኣብ ገሊኦም ኣሓት ውድባት ዝሪኦም ኣፈፃፅማን ምንቅስቓስን፣ ምስ ብሓባር ክንሰርሖም ዝተወሰኑ ውሳነታት (ጉዳይ ወልቃይት ኮነ ግጮ) ኣቀባብልኡ ካብቲ ዝነበረ ጉድለት ዝፈጠሮ መሊኡ ካብ ጥርጥር ንክወፅእ ዘይገበርዎ ኣረኣእያታት ከምዘለዉ ተረዲእኻ ድማ ቐፃሊ ቓልሲ ዝሓትት እዩ።

(ሐ) ኣብ መንጎ ውድብናን ህዝብናን ምልሕላሕ ጀሚሩ ዝነበረ ብመስዋእቲ ዝኸረረ ገመድ ይጠናኸር ኣሎ፤

ከምቲ መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮ ናይ ውሽጢ ውድብ ቓልሲ ካብቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ቓልስን ተፈልዩ ከምዘይረኣይ ግልፂ እዩ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝግበር ውዑይ ዴሞክራስያዊ ደርባዊ ቓልሲ ነቲ ህዝቢ ኣብ ፅላል መስመር ውድብና ኣዕሲልና መስመርና ዝፈጠረሉ ዕድል ፀንቂቑ ንክጥቀምን ንክርባሕን ዝግበር ቓልሲ ንምምራሕን ውፅኢታዊ ንምግባርን እዩ። ዕላማና፣ መስመርናን ካብቲ መስመር ዝፍልፍሉ ስትራተጅታትን ፖሊስታትን ከምኡ እውን መተግበሪኦም ፓኬጃትን እንታይ ይኾኑ? እንታይ ዓይነት ኣሰራርሓን ስልትን ቓልሲ ንኽተል? እንታይ ዝመሓየሽ ነገር ኣለዎም? እናበልና ብቐፃልነት ሕቶታት እናልዐልናን እናመለስናን እንኸደሉ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ነቲ ህዝብና ኣብ ፅላል መስመር ውድቡ ዓሲሉ ነቲ መስመር ንምዕዋት ዝገብሮ ምንቅስቓስን ቓልስን ንምምራሕ እዩ። በቲ ዝፍጠር ምንቅስቓስ እውን ብኣረኣእይኦምን ተግባሮምን ቅድመ ግንባር ዝኾኑ ናብ ውድብና እናተፀምበሩ ውድብና ብቐፃልነት እናተሃደሰ ንዝነበሮ ራእይ ጉዕዞ ህዳሰ ብናይ ወለዶታት ምቅብባል ሕድሪ ህያው ንምግባር እዩ። በቲ ዝፍጠር ውድብና ዝመርሖ ውዑይ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ሓፋሽ እናተፈጠረ ተመሊሱ ንካድረናን ኣባልናን እናሰሓለን ወያናይ ባህሪኡ ሓልዩ ምእንታን ብመትከላዊ ትረት መድረኻዊ ተልእኽኡ ዕውት ክገብር እዩ። ኣብ ጉዕዞ ቓልስና ኣብ መንጎ ውድብና ህወሓትን ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ምትእስሳር እውን በዚ ወያናይ ዴሞክራስያዊ መስመርና ዘነፀሮ ኣንፈት ቓልሲ ዝተፈጠረ ምትእስሳር እዩ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብዝርዝር ከምዝተገምገመን እናረአናዮ ከምዝመፃእናን ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝተፈጠረ ምዝሕሓል ዴሞክራሲያዊ ህይወትን ቓልስን ኣብ ኣመራርሓና ምሽርሻር ወያናይ ባህርን ህዝባዊ ኣረኣእያን እናተፈጠረ ብፍላይ ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ብዝፈጠርናዮ ጉድለት ኣብ መንጎ ውድብናን ህዝብናን ዝነበረ ብመስዋእቲ ዝኸረረ ገመድ እናላሕለሐ መፂኡ እዩ። ኣመራርሓናን ካድረናን ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብፅንዓት ሒዙ ነቲ ህዝቢ ኣብ ፅላል መስመር ዓሲሉን ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ፈጢሩን ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ወሳናይ ናይ ቓልሲ ብፅሒቱ ንከወፊ ኣብ ምግባር ዓበይቲ ጉድለታት ከምዝነበርዎ ብዕምቆት ተገምጊሙ እዩ። ንህዝብና መስመር ተሃድሶና ዝፈጠረሉ ዕድል ፀንቂቑ ብምጥቃም ምስ ፀጋታት ባዕሉን ከባቢኡን ኣዛሚዱ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሱ ካብ ብተግባር ዝረኽቦም ውፅኢታትን ብሉፃት ስራሕትን እናተበገሰ ኣብ ውድቡ ዘለዎ ፅኑዕ እምነት እናገበለ ክኸይድ ኣይገበረን። ካብዚ ዝብገስ ድማ ህዝብና ኣብ ውድቡ ዝነበሮ ፅኑዕ እምነት እናተሸርሸረ ብኣንፃሩ ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለዩ ግጉያት ኣረኣእያታትን ድሕረታትን እናዓምበቡ መፂኦም እዮም። “ውድብና ከም ቐደማ የላን” ዝብል ቅሬታ እናዓበየ ነቲ ብቓልሱ ዝወነኖን ብሕታዊ ወሓሱ ዝኾነን መስመር ውድቡ ዝጎድኡ ድሕረታትን ግጉያት ኣረኣእያታትን እንትርኢ ኣብ ክንዲ ተወዲቡ ረመፅ ኮይኑ ዝቃለስ እናረአየ ከምዘይረአየ ኮይኑ ዝሓልፈሉን ናብ ጭንቂ፣ ስምዒትን ስግኣትን ዝኣትወሉን ኩነታት እናተፈጠረ መፂኡ እዩ። ብመሪሕነት ውድብና ኣብ ህዝብና ብነዊሕ ጉዕዞ ቓልስና ዝሃነፅናዮም ወያናይ ግስጋሰታትን ክብርታትናን እናተሸርሸሩ መፂኦም እዮም።

ብመንፅር እዚ፣ ኣብዚ ናይ ሕዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉን ንናይ ቐፃሊ ቓልስና ከምመበገሲ ዓወት ክውሰድ ዝኽእልን ኣብ መንጎ ውድብናን ተቓላሳይ ህዝብናን ተፈጢሩ ዝነበረ ምፍንታት ሓደግኡ ብዕሞቆት ተረዲእና ናብ ንቡሩ ንምምላስ ሰሪሕና ኢና። ኣብ ውሽጢ ውድብን ህዝብናን መሰረት ገይርና እንገብሮ ዝነበረና ቓልስን ምንቅስቓስን መሰረታዊ ጉድለት ከምዘለዎ፣ ክልቲኦም መልክዕ ቓልስታት ተደጋጊፎምን ተቖላሊፎምን እንተዘይከይዶም ውፅኢቱ ወሳናይ ናይ ህዝቢ ዓቕምና ኣይንቀሳቐስን ማለት ስለዝኾነ ኣብ ውዑይ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ዝተመስረተ ቓልሲ ውሽጢ ውድብ ወሳናይ መድረኽ ቓልሲ ይኸውን።ስለዚ እዚ ሐዚ ዘሎ ጠምባው ኣካይዳ ብመሰረቱ ክቕየር ኣለዎ ኢልና ውድብን ህዝብን ዘተኣሳስር ቓልሲ ወሊዕና ተረዳዲእና ወፂእና ኢና። ኣብ ሓደ መደምደምታ እውን በፂሕና ኣለና። ናብ ንቡር ተመሊስና ብወያናይ ዴሞክራስያዊ መነፅር ምርኣይ ጀሚርና ኣለና። እዚ ድማ ቅድሚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዘይነበረ ብቓልስና ዘረጋገፅናዮ ናይ ኣረኣእያ ሓድነትን ዓቕምን ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ከም ዓብይ ዓወት ወሲድና ብፅኑዕ ድስፕሊን ናብ ተግባር እንተቐይርናዮ ሙሉእ ዓወት ክኸውን እዩ።

1.2. ኣብ እንግድዓ መሪሕነት ውድብና ዝተፅዓነ፣ ናብ ከቢድ መድረኽ ዕድልን ፈተናን ኣቲና ኣለና፤

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትና ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀ ኣብዚ ዘለናዮ ጭቡጥ መድረኽ ንዕውትነት መድረኻዊ ተልእኾና ዝውስን ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መስመር ወኒንና ኣለና። ነዚ መስመር እዚ ከም ቀንዲ ሃፍትናን ፍልፍል መትከላዊ ትረትናን ብምውሳድ ናይቲ መስመር ህዝባውነት ኣብ ክልሰ ሓሳብ ከይተሓፀረ ከምቲ ኣብ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝረአናዮምን ብህዝብና ዝተመስከረሎምን ኩለ መዳያዊ ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ብተግባር ኣረጋጊፅና ኣለና። ስለዝኾነ ኣብ ህዝብና ትማሊ ዘይነበረ ሃፍቲ እናተፈጠረን እናተለወጠን ንዝለዓለ ጠለብ ለውጥን ምዕባለን ዘየቋርፅ ማዕበላዊ ድፍኢትን ሕቶን ብተግባር ካብ ዝፍጠር ፀኒሑ ኣሎ።

ስለዚ ናይዚ መድረኽ ጭቡጥ ሕቶ ጉዳይ ምንፃር መስመር ዘይኮነስ ብተግባር ህያውነቱ ዘረጋገፀን ንዝለዓለ ጠለብ ሕቶ ህዝቢ ዘብፀሐን መስመርና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ናይ ምስግጋር ጉዳይ እዩ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ኣብዚ ዘለናዮ ጭቡጥ መድረኽ እቲ ሕቶ፣ ሕቶ ምንፃር መስመር ዘይኮነስ እቲ ዝተነፀረ መስመር ዝእዝዞም ኣንፈታት ቓልሲ ብፅንዓት ሒዝካ ኣብ ዝተዋፈርካዮም ዓውድታት ስራሕ ብውፅኢት ምንባር ዝጠልብ መድረኽ ካብ እንኣቱ ውዒልና ሓዲርና ኢና። ናይዚ ጭብጥ መድረኽ ቁልፊ ሕቶ እውን ነቶም መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮም ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣግባብ ቓልስታት ብፅንዓት ነኺስካ ብምትግባር ብውፅኢትን ውፅኢትን ጥራሕ እትነብረሉ መድረኽ ከምዝኾነ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና ኢና።

እዚ ዕውት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብናይ መሪሕነትና እንግዳዓ ዝውሰን ዕድልን ፈተናን ኣሸኪሙና ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ነቶም ዕድላትና ብዝርዝርን ብብስለትን ፈቲሽና ፀንቂቕና ምእንታን ክንጥቀመሎም፣ ነቶም ፈተናታትና (ብድሆታትና) ድማ መስመር ተሃድሶና ዘነፀረልና ኣንፈት ቓልሲ ነኺስናን ወያናይ ባህርን ኣብ ቓልሲ ዝተመስረተ ኣረኣእያን ሓድነትን ሒዝናን ባርዕ ዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ወሊዕናን ኣብ ውሽጡ እናተዋሳእናን ከምቲ ናይ ቐደምና ውንጩፍ ምዕባለ ክነረጋግፅን ዕድል ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ መዳይ ንካልኣይ ግዜ እግሪ ምጉታት ከምዘየለ ግልፂ መልእኽቲ በፂሑና ኣሎ። ስለዝኾነ ንዕድላትናን ፈተናታትናን ብዝርዝር ፈቲሽና ካብ እግሪ ምጉታት ዘውፅእ ኣንፈት ቓልሲ ኣነፂርናን ብተግባር ባርዕ ወያነና ንምውላዕ “ውፈር ተበገስ!” ክንብል ኣለና።

1.2.1. ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝፈጠረልና ዕድላት፤

(ሀ) ንቐፃሊ ቓልስና ምችው መድረኽ ተፈጢሩ ኣሎ፣

ኣብቲ ውሽጢ ውድብ ዝመርሖ ዘካየድናዮ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብሰንኪ እቶም ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ዝወለዶም ጉድለታት ናብ ሓደገኛ ኩነታት ንኣትው ከምዘለና ኣብ ኩሎም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ብተነፃፃሪ ዝተማለአ ግልፅነት ተፈጢሩ እዩ። ካብ ደርባዊ ረብሐኦም እናተበገሱ “እንታይ ዲና ንኸውን ዘለና?” ዝብል ምብህራርን ስግኣትን ፈጢሮም ኣለዉ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ናይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልሲን እናተዘሓሓለ ንመስመር ተሃድሶና ይሽምርሮ ከምዘሎ ግልፅነት ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ዝፈጠሮ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ ንናይ ህዝብና ቓልስን ዓቕምን ይስንክሎን ይሓስዮን ከምዘሎ ተሰሚርሉ እዩ። ኣብ ናይ መንግስቲ መሓውራትና ዘለዉ ጉድለታት እውን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምጥንባው ፖለቲካዊ ቓልሲ የጋድድዎ ከምዘለዉ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ። ብምዃኑ ድማ “ኣብቶም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት እዚ ኹነታት እንተዘይተቐይሩ ንጠፍእ ኣለና” ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ እዩ። “ናብታ ናይ ውድብና ወያናይን ህዝባውን ባህሪ ቀልጢፍና እንተዘይተመሊስና ከምቲ መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮ እታ ብሕታዊት መንገድና ትዕፆ ኣላ” ናብ ዝብል ስምዒትን ወያናይ ሓቦን ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ። ዝተፈጠረ ሕራነን ወነን ብኣግባቡ መሪሕና እንተተጠቒምናሉ ድማ ወሳናይ ዕድልን መበገስን ንቐፃሊ ቓልስና ከምዝኾነ ብዝኾነ መንገዲ ዘጠራጥር ኣይኸውንን።

(ለ) ንናይ ተግባር ብቑዕ ቓልሲ ዓብይ ምችውነት ፈጢርና ኣለና፣

ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረአናዮ ነዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብዓወት ዛዚምናዮ ኣለና። ኣብዚ መድረኽ ናይ ዝተሳተፉ ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ካብ ዝነበሮም ምሽርሻር ወያናይ ባህርን ምዝባዕ ኣረኣእያን ናብ ንቡሮም ምምላስ ጀሚሮም ኣለው። ካብ ጉድለታቶም ወፂኦም ንመድረኻዊ ተልእኾኦም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዓወት ከሰጋግርዎ ቃሎም ዳግም ኣሐዲሶም ኣለዉ። ዓወታትና እናዓቀብና ከም መንጠሪ እናተጠቐምና ብፍላይ ልምዓታዊ ዓወታትና ምስ ሰናይ ምምሕዳር ዘለዎም ምትእስሳር ዝተማለአ ግልፅነት ሒዝና ንቕድሚት ንመርሽ ኢልና ወሲንና ኣለና። ብውፅኢቱ ድማ ሓደ መሰረታዊ ዕድልን ዓቕምን ንቐፃሊ ጉዕዞ ቓልስና ኮይኑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንመድረኻዊ ተልእኾና ዘብቅዕ ናይ ዳግመ ውዳበን ኦሬንተሽንን ስራሕትና ኣጠቓሊልና ናብ ተግባር ምዕራፍ ተሰጋጊርና ኣለና። እዚ እውን ተወሳኺ ዓቕምን ዕድልን ብተግባር እንሰርሖም ስራሕቲ ኢንዶክትሪኔሽንን ህንፀትን ኮይኑና ኣሎ። በቶም ዝተነፀሩ ኣወዳድባታትን ኣብ ዳግመ ኦሬንተሽን ዘጠናኸርናዮም ናይ ሉኡኻት ኣንፈታትን ሰጢምና እንተተጋዲልና ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኽኡ ከምነብቅዖ ጥርጥር የብሉን።

(ሐ) ዓቕምታትና ምውዳብ ጀሚርና ኣለና፤

ከምቲ ኣብ ገምጋምናን ምንቕቓፍናን ዝረአናዮ ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ጉድለታት ዝፈጠርዎ ብክንደይ ውፃእ ወረድ ቓልሲ ዝሃነፅናዮም ዓቕምታትና ምብኻን ጀሚርና ነይርና ኢና። በቲ ኣብ እዋን ገምጋምና ዝገለፅናዮ ኣበሃህላ ወያናይ ክብርታትና ዝሃነፆ ማሕበራዊ ዓቕምና (Social Capital) ምብላዕ ጀሚርና ነይርና ኢና። ናይዚ ጭቡጥ መግለፂ ንተጋደልትና፣ ስድራ ስውኣትና ነባራት ኣባላትናን ዝነበረና ድኹም ኣተሓሕዛ እዩ። እዚኣቶም ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ቓልስና ዝሃነፅዎ ወያናይ ክብርታት ብሓደ ገፅ ናብቲ ሓድሽ ወለዶ ከመሓላልፍዎ፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ባዕሎም ዘለዉ ጉድለታት እናተቐላለሱን ብዝተወደበ መንገዲ እናተሳተፉን ከም ህዝቦም ተጠቃምነቶም ንምርግጋፅ ዝሃብናዮ ትኹረት ትሑት ከምዝነበረ ገምጊምና ኢና።

ካብ ገምጋምና ተበጊስና እንታይ ክነመሓይሽ ከምዝግበአናን ብኸመይ ነዚኦም እናመራሕናን እናተኣሳሰርናን ክንቃለስ ከምዝግበአናን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሕና ኣለና። እዞም ዓቕምታት እዚኦም ካብ ዝነበሮም ቅሬታ ኣውፂእና ብዝተወደበ ቓልሶም ንዝያዳ ዝለዓለ ቓልስን ህዝባዊ ሓላፍነትን ክለዓዓሉ ገይርና ኣለና። እዚ እውን ንቐፃሊ ቓልስና ተደማሪ መሰረታዊ ዓቕምን ዕድልን ፈጢሩልና ኣሎ። ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሉ ናይ ቓልሲ ፅንዓትናን ዓቕምናን ወሲኹ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዓወት ከሰጋግረና እዩ።

(መ) ህዝብና ሐዚ እውን ብመሰረቱ ኣብ ቦታኡ ኣሎ፤

ካብቲ ክሳብ ሐዚ እናረአናዮ ዝመፃእና ሓደ ክንድምድሞ ዝግበአና ቁልፍን መሰረታውን ጉዳይ፣ ተቓላሳይ ህዝብና ሐዚ እውን ኣብ ቦታኡ ምህላዉ እዩ። እንትርፊ መራሕቱ እግርና እናጎተትናን ሰንከልከል እናበልናን ኣብ ውድቡ ክጠራጠርን ዘየድሊ ስምዒት እናሓዘ ናብ ዝተፈላለዩ ድኽነቱ ዘበገሶም ድሕረታት ክኣትውን እንገብሮ ዘለና፣ ህዝብና ግና ሎሚ እውን ከምታ ናይ ትማሊ ነቲ “ዋሕሰይ እዩ” ኢሉ ብቓልሱ ዝረኸቦ መስመር ውድቡ ህወሓት ብፅንዓት ነኺሱ እዩ ሒዙ ዘሎ።

ኣመራርሓና ንባዕሉ ዝተማለአን ዝዓረየን ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያን ተግባርን ብፅንዓት ሒዙ ስለዘይመርሖ ዘሎ እምበር ህዝብናስ ነቲ ዋሕሱ ዝኾነ መስመር ውድቡ ኣፅኒዑ ሒዙን ኣብ ጉዕዞ ቓልሱ ዝዓተሮ ውህሉል ተመኩሮኡ ከም ዓቕሚ እናተጠቐመ ንዝለዓለ ለውጢ እዩ ዝረባረብ ዘሎ። ጥራሕ መራሕቱ ወያናይን ዴሞክራስያውን ባህርና እናተሸርሸረ ንጠለቡ ንምምላእ እግርና እንትንጎትት እዩ ኣብ ውድብና ዝጠራጠርን ዝሰግእን ዘሎ። ኣብዚ ብርኪ ዘብፀሐና ናቱ ምኽርን ትምህርትን ምቕባል እንትንኣብዮ እናጨነቖን መማረፂ እናሰኣነን እዩ ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ ድኽነቱ ናብ ዝፈጠሮም ዝተፈላለዩ ድሕረታት ዝጥሕል ዘሎ። ህዝብና ኣብ ቦታኡ ኮይኑ ሐዚ እውን ንዘጋጥምዎ ዘለዉ ፈተናታት ንመስመር ውድቡ ኣፅኒዑ ዝገብሮ ዘሎ ቓልሲ ህያው ምስክሩ እዩ። “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፍኻ ኣፅንዕ ” ዝብል ውሕሉል ኣበሃህልኡ እናተግበረ በዓል ዋና ናይቲ መስመርና ኮይኑ ንቕድሚት ይምርሽ ኣሎ። ናይዚ ጭቡጥ መርአያ ኣብዚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብዘግርም ኹነታት ንኣመራርሓ ውድቡ ከፅሪ ሰፊሕን ዓመ˜“ቑን ቓልሲ ብምግባር ሐዚ እውን በዓል ዋናነት ናይ ውድቡ መስመር ምዃኑ ብተግባር ኣረጋጊፁ ኣሎ። ንሕና እውን ንዝሃበና ትምህርትን ዘዕጠቐና ወያናይ ሓቦን ብልቢ ተቐቢልና ክንክሕስ ቓል ኣቲናሉ ኣለና። ቃልና ብተግባር ክነረጋግፀሉን ቃልና ንምህዳስ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ድማ ከምታ ናይ ቐደሙ ኣብ ጎድንና ኮይኑ ከምዘምህረና፣ ከምዝሃንፀናን ከምዝድግፈናን ወሲኑ ኣሎ። እዚ ድማ ድሙቕ ዓወትን ንቐፃሊ ቓልስና ሰፊሕ ማይዳ ዝፈጠረልናን ውፅኢት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና እዩ።

1.2.2. ፈተናታትና፤

ብድምር ኣብዚ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ናብ መድረኽ እቲ ብሉፅ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝበሎ ‘ምዃን ወይ ዘይምዃን’ ኣቲና ኣለና። እዚ ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ መደብና ናብ ጭቡጥ ምዃን ወይ ዘይምዃን ዝብል ሕቶ ጠለብ መድረኽ ኣሰጋጊሩና ኣሎ። ከምታ እቲ ብሉፅ መራሒና ኣብ እዋን ምንፃር መስመር ተሃድሶና ዝብሎ ዝነበረ ታሪኽ ብዝደግም ዘሎ ዝመስል ኣብዛ ዘለናያ ጭቡጥ መድረኽ እውን ብሓደ ገፅ ናይ ውድብና ወያናይ ባህሪ ዓቂብና እንተኸይድና ውድብና ህወሓት ከምታ ናይ ቐደሙ ብቑዕ መራሒ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑን ሓፋሽ ኣብ ፅላል መስመሩ ኣዕሲሉን ድኽነት ብምስዓር ዳግማይ ፍሉይ ታሪኽ ምዕራፍ ቓልሲ ዝፍፅመሉ፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ከምታ እስካብ ሐዚ እናተጓዓዝናዮ ዝመፃእና እግርና እናጎተትና ነቶም ወያናይን ህዝባውን ክብርታትና እናሸርሸርና እንተመፃእና ድማ ናይ ውድብና ወያናይ ባህሪ ተቐይሩ ናብ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ መወዳእትኡ ጥልመት ንተቓላሳይ ህዝብና እንፍፅመሉ ጭቡጥ መድረኽ ኣቲና ኣለና ማለት እዩ ክኸውን።

ስለዝኾነ ድማ ነዚ ባህሪ መድረኽና ብዕምቆት ተረዲእና ውድብና ናብ ክኾኖ ዝኽእል ብቑዕ መራሒ ህዝቢ ትግራይ ንምስግጋር ኣብ እንገብሮ ወሳናይ ቓልሲ ነዞም ልዕል ኢሎም ብሓፂሩ ዝተገለፁ ዓወታት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዓቂብና፣ ነዞም ዝስዕቡ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ጠለባትን ፈተናታትን ብፅንዓት ተቓሊስና ናብ ዕድል ክንቕይሮም ኣለና። ስለዝኾነ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣብዛ ዘለናያ ጭቡጥ መድረኽ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኣብ ግምባር ኣመራርሓና ዝኒሀዉ ፈተናታት ቆፂርካ ብምሓዝ ንምፍትሖም ዝለዓለ ገድላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር ኣለና።

(ሀ) ናይ ምፍፃም ዓቕምና ምትሓት፤

ከምቲ ልዕል ኢልና ብዝተፈላለየ መልክዕ እናረአናዮ ዝመፃእና ኣብ ዝወፈርናሉ ዓውደ ስራሕትና ነቲ ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገብርሉ ውፅኢት ከይነረጋግፅ ዓብይ ማሕንቖ ዝኾነና ዘሎ ምንኣስ ናይ ምፍፃም ዓቕምና እዩ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ጭቡጥ ስትራተጂካዊ መድረኽ ቀንዲ ማሕንቖና ምንኣስ ናይ ምፍፃም ዓቕምና ከምዝኾነ መስመር ተሃድሶና ኣነፂርዎ ዝሓደረ እኳ እንተኾነ ብምኽንያት እቶም ኣብ ብዕሙቆት ምህዳስና ዝረአናዮም ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ፀገማትና ሎሚ ጎሊሁ ዝወፀሉ ኩነታት ከምዘሎ ብግልፂ ዝገምገምናዮ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ዝዓመምናዮም መድረኻዊ ሉኡኻት ውፅኢታዊ ከይንገብር ኣብ ውሽጢ ውድብና መሓውር ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መንግስትናን ኣብቲ ወሳናይን ፍልፍል ኩሉ ዓቕምታትና ዝኾነ ህዝብና እውን ዘለው ናይ ኣተሓሳስባ ፣ ክእለትን ፍልጠትን ማሕንቖታት ፈቲሕና ብዘይምኻድናን ከምዝኾነ ኣብዚ ብዕሙቖት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስና ዘስመርናሉ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ውድብና ብቑዕን ቐፃሊን ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ቓልሲ እናካየድና ኣብ ፅላል ውድብና ውዑይ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ እናወላዕና ብዘይምኻድና ንምትሓት ናይ ምፍፃም ዓቕምና ቁልፊ ማሕንቖ ከምዝኾነ ኣስሚርናሉ ኢና።

ብኻሊእ ኣዘራርባ ምጉልባት ናይ ምፍፃም ዓቕምና ማለት ኣብ ኩሎም ናይ ከተማን ገጠርን ዓውደ ስራሕትና ብቑዕን ድልዱልን ልምዓታዊ ሰራዊት እናሃነፅና ናይቲ ሰራዊት ናይ ኣተሓሳስባ ፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ፣ ክእለት፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጂካዊ ዕጥቅን ማሕንቖታት በቲ ውድብና ዝነፀሮ ኣንፈት ቓልሲ እናፈታሕና ብዘይምኻድና እዩ። ብተወሳኺ ናይቲ ሰራዊት ምንቅስቓስ ብትካላዊ ስርዓት እናጠናኸርና ብዘይምኻድና እዩ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ናይቲ ሰራዊት ምንቅስቓስ ብመንፅር ትካላዊ ዓቕምታቱ ምህናፅ እናረአና ብዘይምኻድና ዝተፈጠረ ጉድለት ከምዝኾነ ብዝርዝር ገምጊምና ኢና።

ስለዝኾነ ሐዚ እውን ኣብ ኩሎም ዝተዋፈርናሎም ዓውደ ስራሕቲ መድረኻዊ ተልእኾና ዝጠልብ ልምዓታዊ ሰራዊት ብምህናፅ ኣብ ምፍፃም ዝሓዝናዮም መድረኻዊ ተልእኾና ኣድማሳዊ ውፅኢት እንተዘይኣረጋጊፅና ውፅኢቱ ሓደገኛ ከምዝኸውን ዝተረደአ ቓልስን ተጋድሎን ክንገብር ይግባእ።

(ለ) ዓወት ናይዚ መድረኽ ብተግባር ብዝረጋገፅ ለውጢ ጥራሕ እዩ ዝውሰን፤

ክሳብ ሐዚ ብዝርዝር እናረአናዮ ከምዝመፃእና ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መስመርና ንሕቶ ሃለዋትና ናይ ምርጫ ዘይኮነስ ዋሕስና፣ ዋሕስ ህዝብናን ሃገርናን ከምዝኾነ ብተግባር ኣረጋጊፅና ኣለና። ማሳ ማሳኡ ብሰንኪ እቶም ዝነበሩና ናይ ወያናይ ባህሪ ምሽርሻርን ምዝባዕ ኣረኣእያን ሓደጋ ናይቲ እንሃንፆ ዘለና ልምዓታውን ዴሞክራስያውን ስርዓትና ዝበልናዮም ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ እናገንገኑ መፂኦም እዮም። ስለዝኾነ ውድብና ብዕምቆት ብምህዳስ ንመድረኻዊ ተልእኾኡ ነብቅዕ ኢልና ወሲንና፤ ናይቶም ዓወታትናን ጉድለታትናን ሚዛን ብዕምቆት ፈቲሽና ብፍላይ ካብቶም ዝነበሩና ጉድለታት ቀልጢፍና እንተዘይወፂእና ውፅኢቱ ከቢድ ሓደጋ ከምዝኸውን ብክልሰ ሓሳብ ዘይኮነስ ካብ ተግባር ተበጊስና ደምዲምና ኣለና። ስለዚ ናይዛ ኣብዛ ሐዚ ዘለናያ ጭቡጥ መድረኽ ካብ ድኽመታትና ወፂእና ብተግባር ዝግለፅ፣ ህዝብና ዝምስክረሉን ትፅቢት ዝገብረሉን ለውጢ ነረጋግፅ ዶ? ዝብል ኣመራርሓና ክምልሶ ዝግባእ ሕቶ ናይ ፈተና ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ሕቶ ንምምላስ ብፅንዓት ተጋዲሉ ኣብ ናይ ልምዓት ስራሕትና መሰረታዊ ለውጢ፣ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ድማ ዝላ ምርግጋፅ ዕድል ጥራሕ ከምዘላቶ ፈሊጡ ጭቡጥ ውፅኢትን ለውጥን እንተኣረጋጊፁ ነቲ ፈተና ዝሓልፈሉ እዚኣ እንተዘይገይሩ ድማ ብፈተና ወዲቑ ካሊእ ዕድል ዘይረኽበሉ ጭቡጥ መድረኽ በፂሕና ኣለና።

ካብዚ ተበጊስካ እንትድምደም፣ ግዘናን ህንፀትናን ኣብ ተግባርን ውፅኢትን ዝተመስረተ እንተዘይገይርናዮ፣ ብናይ ትማሊ ውፅኢት ከምዘይንነብር ፈሊጥና እንተዘይተረባሪብና ውፅኢቱ ዘይንወፆ ሓደጋ ከምዝኾነ ግልፂ እዩ። ስለዚ እቲ ፈተና ኣብ መንጎ ብሓዱሽ ናይ ቓልሲ መንፈስን ሕራነን ውፅኢት ምርግጋፅን ብናይ ትማሊ ዝነበረ ህዝባዊ ውግንና ምልሕላሕን ሒዝካ ብውስን ውፅኢት እናዓገብካ ዘይትነብረሉ ኩነታት ምዃኑ ብምርዳእ ነዚ ፈተና ብብቕዓት ምሕላፍ ብሕታዊ መማረፂ ናይዚ ኣቲናዮ ዘለና ጭቡጥ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ።

(ለ.1) ኣመራርሓና ዝምልሶ ባርዕ ሕብረተሰባዊ ጠለብ ወሲኽና ኣለና፤

ከምቲ ኣብ ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ ገምጋምና ዝረአናዮ ናይቶም ዝነበሩና ጉድለታት ምንጪ ብሓደ ገፅ ነቶም ሓደጋ ስርዓትና ዝበልናዮም ኣተሓሳስባን ተግባርን ንፃት እውን ከይተዘናጋዕና ብመትከላዊ ትረት እናተቓለስና ብዘይምምፃእና እንትኸውን ብኻሊእ ገፅ ድማ እቶም ጉድለታትና እናሓለኹና ነቲ ተቓሊስና ዘረጋገፅናዮ ጠለብ ሕብረተሰብ ብኣግባቡ ብዘይምምላስና ከምዝኾነ ኣስሚርናሉ ኢና።

ሕዚ ድማ ሳላ ብዕሙቆት ምህዳስና ህዝብና ተስፋ እናቖረፀ ዝገድፎም ዝነበሩ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋፅ ዘልዕሎም ጠለባት ተስፋ ገይሩ መሊሱ ወሊዕዎም ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብዓወት ብምዝዛሙ ውፅኢቱ ባርዕ ሕብረተሰባዊ ጠለብ ወሊዑ ኣሎ። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ባርዕ ሕብረተሰባዊ ጠለብ ንኣመራርሓ ውድብና ተወሳኺ ሕድሪ ኣሽኪምዎ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ተባራዒ ሕብረተሰባዊ ሕቶ ብኣግባቡ ምልላስን ዘይምምላስን ኣብ እንግዳዓ ኣመራርሓ ውድብና ዝወደቐ ሕቶ ፈተና ኮይኑ ኣሎ። ኣመራርሓና ወያናይ ባህሪ ውድብና ብፅንዓት ሒዙ ተቓሊሱ ብውፅኢት ጥራሕ ዝነብረሉ፣ እዚኣ እንተዘይገይሩ ግና ብናይ ትማሊ ውፅኢትን ኣከያይዳን ምንባር ናብ ዘይፈቀድ ጭቡጥ ጠለብ መድረኽ ኣትዩ ኣሎ።

(ለ.2) ብናይ ግዘ የለን ኣተሓሳስባ ሉኡኽቶና ዘይምፍፃም ኣሎ፤

ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ጭቡጥ መድረኽ ተኣናፋይ ባህሪ ኣብ ዝግለፀሉ መልክዕ ኣብ ኩሉ ዓውደ ግንባራትና ዝሓዝናየን ስራሕቲ ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባ ዝትግበራ ምዃነን እየን። ካብ ሕድሕድ ኣመራርሓን ፈፃሚን ትፅቢት ዝግበር ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ለይትን ቐትርን ምቅላስ ዝጠልብ ምዃኑ እዩ። ናይ ሎሚ ግዜ “ንፅባሕ ትሕደረለይ” ዝብሃል ዘይቕበል መድረኽ እዩ። ከምቲ ኣብ ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስና ዝረአናዮ ድማ ብሰንኪ ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባ ዘይምግዳልና ኣብ ልምዓት፣ ዴሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ዘነፀርናዮም ሽቶታት ኣብ ብዙሕት መዳድያቶም ዘየዐወትናዮም ሸቶታት ኣለው። ብካሊእ ኣዘራርባ ሕሉፍ ዕዳ ኣለና። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ተታሓሒዝናዮ ዘለና ናይ ተግባር ምንቅስቓስና ንሕሉፍ ኣካይዳና ብዘይዳግም ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባ ልኡኻትና ንምዕዋት ብፍሉይ ናይ ቓልሲ ሕራነን መንፈስን ክንጋደል ይግባእ። እዚኣ እንተዘይገይርና ብናይ ትማሊ ኣፈፃፅማና ምንባር ከምዘይንኽእል ብዕሙቖት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስና ኣምሂሩና ኣሎ።

(ለ.3) ተስፋን ስግኣትን (Hope and fear) ዝተፈጠረሉ መድረኽ፤

ጉድለትና ብምእራም ናብ ዝለዓለ ዓወት እንሰጋገረሉ መድረኽ ኣቲና ኣለና። በዚ ዕውት ምንቅስቓስ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ኣብቶም ፈፀምቲ ልምዓታዊ ሰራዊት ብፍላይ ኣብ ህዝብና ዓብይ ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ። ውድብና ከምታ ልማዱ ንውሽጡ ፈቲሹን ተሃዲሱን ኣሎ። ስለዚ ኣብ ኩሎም ዓውደ ስራሕትና ውንጩፍ ምዕባለ ክረጋገፅ እዩ። ብፍላይ ኣብ ድኽነትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን መሰረታዊ ለውጥን ዝላን ከረጋግፅ እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ። እታ ተጀሚራ ዘላ ውሽጢ ውድብ ዝመርሓ ውዑይ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ዝያዳ እናተኾለዐት ከም ቐደምና ኣብ ኩሎም ዓውደ ስራሕቲ መድረኻዊ ዕማማትና ብተግባር ዝረአ ውፅኢት እናረጋገፅና ካብ ዓወት ናብ ዓወት ክንምርሽ ኢና ዝብል ተስፋ ፈጢርና ኣለና።

ብኻሊእ ገፅ ድማ “ሎሚ ውድብና ምግምጋም እምበር ከምታ ናይ ቐደማ ንዝገምገመቶ ጉድለት ኣስተኻኺላ ብተግባር ዝረአ ዓወት ኣብ ምርግጋፅ ትፅገም ኣላ እያ። ስለዚ ሐዚ እውን ካብቶም ዝገምገምናዮም ጉድለታት ወፅኢና ናብ ምርግጋፅ ተግባራዊ ውፅኢት ንሰጋገር ዶ ንኸውን?” ዝብል ብፍላይ ናይቲ ኣባልናን ህዝብናን ዓብይ ስግኣት እዩ። ስለዚ ነዚ ከምዚ ዝበለ ስግኣት ህዝብናን ኣባልናን ብዘረባ ዘይኮነስ ነቶም ዘጊድ ብቓልስና ዘረጋገፅናዮም ዓወታት ዓቂብና ብተግባራዊ ውፅኢት ነቲ ስግኣት ንምውጋድ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብፍሉይ ትኹረት ክንፍትሖም ሸከምን ሕድርን ኣመራርሓናን መላእ ኣባል ውድብናን ኮይኖም ኣለው።

(ለ.4) ምርግጋፅ ሕቶ ፍትሓዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ‘ውን ፈተና ኣመራርሓ ውድብና እዩ

ውፅኢት ብዕሙቀት ናይ ምህዳስ መድረኽና ካብ ዝወለዖ ሕብረተሰባዊ ጠለባት ብተወሳኺ ብመልክዕ ምርግጋፅ ፍትሓዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ዝግለፁ ሕቶታት ‘ውን ወሊዑ ኣሎ። ኣብ ናይ መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ዘሎ ሕቶ ምሕያል ብዝተወደበ ተሳትፍኦም ምርግጋፅ ፍትሓዊ ተጠቃምነት፣ ኣብ ተጋደልቲን ስደራ ተጋደልቲን ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኣብ ተሳትፎናን ተጠቃምነትናን ትኹረት ይገብር ዝብል ንኣመራርሓ ውድብና ብብቕዓት ክምልሶም ዝተውሃቡ ፈተነታት እዮም።

ብመንፅር ከባቢታት ‘ውን ብፍላይ ኣብ ቆላታትን ነባራት ሓራ መሬትን ዘሎ ሕቶ ጠለብ መሰረተ ልምዓትን ንድሕሪት ንተርፍ ኣለና ዝብል ቅሬታን ኣመራርሓ ውድብና ቱሉም ብዝኾነ መንገዲ ክምልሶ ዝተውሃቦ ሕቶ ፈተና እዩ።

ኣብ ምምሕዳር ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተወ ህዝብናን ምምላእ ጠለባቱን፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ንዝለዓል ዘሎ ሕቶ ጣቢያ ይመቐለልናን ወረዳ ይመለሰልናን ንኣመራርሓ ውድብና ብሳይንሳዊ መንገዲ ብቑዕ መልሲ ክህበሎም ዝተዳለወ ጭቡጥ ሕቶታት ፈተንኡ እዮም።

(ለ.5) ንዕድላትና ፀንቂቕና ብምጥቃም ፈተናታትና እንተዘይሓሊፍና ዘየላጢ ሳዕቤኑ ሓደጋ እዩ

በቲ ሓደ ወይ በቲ ካሊእ ንጠለብን ፈተናታትን መድረኻዊ ዕማምና ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ እንዘተይመሊስናዮ ሳዕቤኑ እንታይ ከምዝኸውን እናገለፅናዮ መፂና ኢና። እዚ ከምዘለዎ ወሲድና ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና መድረኽ ንዓቕምታት ውድብና፣ ብዕሙቀት ናይ ምህዳስ መደብና ዝፈጠረልና ዕድል ፀንቂቕና ተጠቒምና ንፈተናታትና ናብ ዕድል ቀይርና ማዕበላዊ ዝተወደበ ውዑይ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ወሊዕናን ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገብረሉ ውፅኢት ተዘይኣረጋጊፅና ኣብ ቅድመይና ዝተገተረ ሓደጋታት ከምዝስዕብ ‘ውን ብዕሙቀት ተረዲእና ንምምካቶም ብልቢ ክንጋደል ኣለና።ብፍላይ ኣብ ፀረ-ከባቢያውነት እንገብሮ ቃልሲ ኣጠናኺርና ምንጪ ጥንካረ ፀላእትና ከይኸውን ንምድራቑ ዝተጠናኸረ ቓልሲ ክንገብር ኣለና።

ለ.5.1. ኣብ ኣባልናን ህዝብናን ተስፋ ምቑራፅ ከጋጥም ይኽእል እዩ

ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ በዚ ብዕሙቀት ናይ ምህዳስ መደብና ተስፋን ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ተስፋ በቶም ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመርና ዘነፀሮም ናይ ቓልሲ ኣንፈታት ብፅንዓት ተቓሊስና ህዝብና ናብ ተግባር እንተዘይ ቐይርናዮ እቲ ስግኣት ናብ ተስፋ ምቑራፅ ክሰጋገር እዩ። ኣብ ውሽጢ ውድብና ውዑይ ፖለቲካዊ ቓልሲ ወሊዕና ጉድለታትና ኣስተኻኺልና ንህዝብና ኣብ ፅላል መስመር ውድቡ ኣዕሲልና ነቲ ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገብረሉ ውፅኢታዊ ተግባርን ለውጥን እንተዘይኣረጋጊፅና እቲ ልዕል ኢልና ውድብና ናይ እማን ከምቐደማ ነዚ ገምጊማቶ ዘላ ጉድለት ብተግባር ክተመሓይሽ ድያ ዝብል ስግኣት ህዝብናን ኣባልናን ናብ ተግባር እንተዘይተቐይሩ ተስፋ ከቑርፆ እዩ።

ብሓደ ገፅ በዚ ብትምክሕተኛታትን ፀበብቲን ንውቃዕ ኣለና ብኻሊእ ገፅ ድማ ብሻዕብያ ሰላም ስኢና ኣለና ስለዚ ኣብ መንጎ ተቐርቂርና ዝብል ስግኣት ህዝብና ኣብ ክንዲ ሎሚ ‘ውን ከምታ ናይ ትማሊ ብሓያልነት መስመርና ዘይንሰግሮ ሩባ የለን ናብ ዝብል ናይ ቓልሲ ሕራነ ኣትዩ ዝምክቶ ተስፋ ቆሪፁ ናብ ሕማቕ ኩነታት ክኣትው እዩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ንናይ ሐዚ መሪሕነት ውድብና ኣብ ምዕራፍ ጉዕዞ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ፀሊም ታሪኽ ክኸውን እዩ።

ለ.5.2. ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ተዘይኣረጋጊፅና ካሊእ መልክዕ ተስፋ ምቑራፅ ከስዕብ እዩ

ህዝብና ካብቶም ብተግባር ለውጢ ከረጋግፁ ድዮም ዝብል ስጋኣቱ ዝግለፀሉ መልክዕ ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ከረጋግፁ ድዮም ዝብል እዩ። ሰለዝኾነ ድማ በቲ መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮ መርአይን ኣፈታትሓን ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ነኺስና ሒዝና ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ እንተዘይኣረጋጊፅና ህዝብና ኣይበልናን ዶ ውድብና ከም ቐደማ ኣይኮነትን ዝብል መደምደምታ ክሕዝ እዩ። ተስፋ ቆሪፁ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ወሳናይ ቓልሲ ካብ ምግባር ክቑጠብ እዩ። ካብ ህዝቢ ዝተነፀለ ህወሓት ዝብሃል ውድብ ስለዘይህሉ ድማ ውፅኢቱ ሓደጋ ምብልላዕ እዩ ዝኸውን።ብፍላይ ኣብ ከተማታት ምስቲ ልዕልነት ክራይ ኣካብነት ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ተታሒዙ ምስ ዝህሉ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ስእነት ስራሕን ተዛሚዱ ዝህሉ ናይ ፅግዕተኛታት ምዝንባይ ተረዲእና ብፍሉይ ትኹረት እንተዘይሰሪሕና ሳዕቤኑ ምግማት ዝካኣል እዩ።

ለ.5.3. ንምዕዋት መደባት መናእሰይ ብፍሉይ ትኹረት ተዘይተረባሪብና ሓደጋ እዩ

ኣብዚ ናይ ሐዚ ብዕሙቀት ናይ ምህዳስ መደብና ካብቶም ህዝብና ኣምሪሩ ዘለዐሎም ኣብ መናእሰይ ዘለኩም ናይ ቓልሲ ኣተሓዛ ድኹም እዩ ዝብል እዩ። መናእሰይ ናይ ትማሊ ዘሓለፍናዮ መከራን ነቲ መከራ ንምፍታሕ ዝኸፈልናዮ መስዋእትነትን ኣይግንዘብዎን ዘለው። ኣቕሊሎም እዮም ዝሪእዎ ዘለው። እዚ ድማ ናቶም ፀገም ኣይኮነን ናይቲ ዝመርሖም ዘሎ ውድብ ፀገም እዩ። ስለዚ ንናይ መናእሰይ ህንፀትን ተሳትፎን ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ኣለዎ።

ንሕና ‘ውን ከም ህዝቢ ንደቅና ንክንሃንፅ ስራሕ ክፈጥሩን ብፍሉይ ትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሉ ወሲኑ እዩ። በዚ መዳይ ናይ ባዕሎም ናይ መናእሰይ ዘሎ ቅሬታ ‘ውን ዓብይ ከምዝኾነ ብዕሙቀት ተገምጊሙ እዩ።

ስለዚ ነዚ ከም ውድብ ኣብ ምርግጋፅ ህንፀትን ተጠቃምነትን መናእሰይ ዘለና ጉድለት ዝገምገምናዮን ህዝብና ዝበለናን ናብ ተግባር ተዘይለዊጥናዮ ሳዕቤኑ ፍሉጥ እዩ። ብዝተወደበ ተሳትፎ መናእሰይ ንምሕያል ተጠቃምነቶም ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባን ተግባርን ውፅኢት ተዘይኣረጋጊፅና መናእሰይ ብስምዒታውነት ናብ ጉጉይ መደምደምታን ተስፋ ምቑራፅን ክበፅሑ ይኽእሉ እዮም። ውፅኢቱ ድማ ሎሚ ጉዳይ ክልስ ሓሳብ ኣይኮነን። ብተግባር ዝጅምር ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት እዩ።

ለ.5.4. ብድምር ንውድብና ካብ ሓደጋ ንምድሓን ካብ ድሕሪ ሐዚ ሰፊሕ ግዘን ዕድልን ኣይህልወናን

ነቶም ሐዚ ብዕሙቀት ዝገምገምናዮም ንምስትኽኻል ቅልጡፍን ኩለ መዳያውን ርብርብ ተዘይገይርና ውድብና ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡ ሓልዩ ንክኸይድ ናብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ነዊሕ ኣብዘይኮነ ግዜ ክበፅሕ ይኽእል እዩ። ነዚ ተረዲእና ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባን ተግባርን ተዘይተጋዲልና ውድብና ብናይ ትማሊ ውፅኢት ጥራሕ ዘይነብረሉ ጠለብ መድረኽ ተፈጢሩ ኣሎ። ውሽጢ ውድብ ዝመርሖ ብቑዕ ዴሞክራሲያዊ ሂወትን ቓልሲን ወሊዕና ብተግባር ኣብ ስራሕቲ ኢንዶክትሬኔሽንን ህንፀትን ጭቡጥ ለውጢ ኣምፂእና ንህዝብና ዘዕግብ ውፅኢት ተዘይኣረጋግፅናን ሓደግኡ ጥራሕ እግሪ እናጎተትካ ምስጓም ኣይኸውንን።ሓደገኛ ጉዕዞ ምብትታን እምበር።

ለ.5.5. ፀላኢ እውን ነቲ ኩነታት ክብለፅ (ሃጃክ) ይሰርሕ ኣሎ እዩ

ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ድኽመታት ፀላእትና ‘ውን ዕዳጋ ይረኽቡ ኣለው እዮም። እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ነቓዕ ክፈጥሩ ብጐይቶቶም ዝተለኣኹ ፀላእቲ ትሕዝቶኦም ከይቐየሩ መልክዓቶም እናቐያየሩ ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ክሰልብዎ ይንቀሳቐሱ ኣለው። ጉድለታትና ዝፈጠርዎምን ብትምክሕተኛታት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዕን ኣብ ህዝብና ንዝተፈጠረ ስምዒት ተጠቒሞም ክምዝምዝዎ ላዕልን ታሕቲን ይብሉ ኣለው። ዓረና ንመናእሰይ ክውደብ ተስፋ ኣይቆረፀን ዘሎ። ካሊእ መልክዕ ዓረና ኮይኑን ከባቢያዊነት ኣብ ምቅላስ ዝነበረና ጉድለት ተጠቒሙ ህወሓት ክጠፍእ ኣለዎ ዝብልን ብሽም ዝተማህርናን ዝተኣኻኸብ ሓይሊ ፅግዕተኛ ‘ውን ኣሎ። ንናይ ንቕርቀር ኣለና ዝብል ስምዒት ህዝቢ ምዝማዝ ካሊእ መልክዕ ፅግዕተኛ ድማ ኣግኣዝያን ብዝብል ጭርሖ ተወዲቡ ብውሽጥን ብግዳምን ንመናእሰይ ማእኸል ገይሩ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እዚኦም ተኣኻኺቦም ማሕበራዊ ሚድያ ዝፈጠረሎም ዕድል ተጠቒሞም ፀረ-ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝተኣሳሰረ ግንባር ውግእ ኸፊቶም ኣለው። ገሊኦም ናይ ባዕሎም ልሳን ‘ውን ምውፃእ ጀሚሮም ኣለው። ስለዚ ሐዚ ‘ውን ውሽጣዊ ብልሕና ናብ ዝለዓለ ብርኩ ኣሰጋጊርና ከምታ ኣመልና ንፀላእትና ክንቆርፆም ኣለና። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ንፀላኢ ኣቃሊልካ ናይ ምርኣይ ዝንባለታትን ኣተሓሳስባን መቀላጠፊ ዕንወትና እምበር ብዝኾነ መልክዕ መለክዒ ጥንካረና ክኸውን ከምዘይኽእል ተረዲእና ንፀላኢ ፀሊእና ክንጋደል ኣለና።

2. ሕዚ እንታይ ንግበር?

ካብቶም ልዕል ኢልና እናገለፅናዮም ዝመፃእና ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና መድረኻዊ ዕማም ከም ውድብና ንምዃን ወይ ንዘይምዃን እንታይ ክንገብር ከምዝግበአና ካብቶም ዘለዐልናዮም ነጥብታት ምግንዛብ ከምዝከኣል ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር ክብደት ናይቲ መድረኽ ርኢኻ ካብ ሓፈሻዊ ርድኢት ወፂእኻ ነተን ንሰርሐን ኣንፈታት ቆፂርካ ምሓዝ ዘይሕለፍ ጉዳይ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ቐንዲ ናይ ትኹረት ርብርብና ኣንፈታት እዘን ዝስዕባ ክኾና ኣለወን። “እንታይ ንግበር?” ዝብል ሕቶ ብድምሩ ብመትከላዊ ትረት እናተጋደልና ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገብሩልና ውፅኢት ብጥብቂ ድስፕሊን ነረጋግፅ ዝብል ጥቕሉል መልሲ ብምሓዝ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣንፈታት መሰረት ገይርና ድማ ብፍሉይ ክንረባረብን ክንጋደልን ኣለና።

2.1. ብጥብቂ ናይ ስራሕ ድስፕሊን ናብ ተግባር ምእታውን ውፅኢት ምርግጋፅን!

ከምቲ ኣብ ናይ ተሃድሶ መስመርና ብግልፂ ዝተነፀረን ካብ ውፅኢት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ተበጊሱ ህዝብና ትፅቢት ዝገብረሉ ዘሎን ነተን ኣብ ትልምና ዝሓንፀፅናየን መደባት ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ምትግባር እዩ።

ኣብ ውሽጢ ውድብ እንውልዖ ቓልሲ ካብ ሓፈሻዊ ገምጋም እናተናገፍና ብሓደ ገፅ ኣብ መደብን ምርግጋፅ ውፅኢትን ዝተመስረተ ክንገብሮ ኣለና። ካብ መደብ ወፃእ ዝህሉ ኣገማግማን ኣተዓቓቕናን ሰብ ክንወፅእ ኣለና። ገምጋምና ንመደብን ውፅኢት መደብን ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ብምግባር ኣብ ገምጋምና ዘነፀርናዮም ጭቡጣት ናይ ተግባር ፀገማት ብጭቡጥ ውፅኢታዊ ተግባር ክንፈትሖም ኣለና።

ኣብ ተግባራዊ ናይ መደብ ኣፈፃፅማና በቶም ዝተነፀሩ ኣንፈታት ዝዕወቱ ዘለዉ ምዃኖም ብዕሞቆት ክንግምግም ኣለና። ካብ ጭቡጥ ገምጋም እናተበገስና ክንነቓቐፍ፣ ክንሰራራዕን ክንሸጋሸግን ግድን እዩ። ብተግባር ዝተረኸቡ ብሉፃት ስራሕቲ እናጋፋሕና ንህዝብና ጠስሚ ልቡ ዘርውይ ዝተመጣጠነ ኣፈፃፅማን ውፅኢትን ክነረጋግፅ ኣለና። ናይ ውሽጢ ውድብ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ መጀመርታን መወዳእታን መርአይኡን መመዘኒኡን ውድብና ብዝነፀሮ ኣንፈት ውፅኢታዊ ተግባር ምርግጋፅ ክኸውን ኣለዎ። እዚኣ ንምግባር ድማ ንእሽተይን /ሓፂርን/ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ዘረባ ክህልወና ይግባእ። ዝዓበየ ግዘን ቦታን ንምርግጋፅ ተግባራዊ ውፅኢት ክነውዕሎ ግድን ይኸውን።

2.2. ንስራሕቲ ህንፀት ውሽጢ ውድብ ኢንዶክትሪኔሽንን ብጥብቂ ድስፕሊን ክነትግብር ኣለና፤

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ግልፂ ክኸውን ዝግበኦ ብዕሙቆት ናይ ምህዳስ መደብና ብዕውት ምንቅስቓስ ጀሚርና ኣለና ንብል ከምዘለና ግልፂ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ኣመራርሓና ሐዚ ዘሎ ጭቡጥ ፀገም መድረኽ ምውዳእ ከም ዓወትን ናይ መወዳእታ ናይ ምህዳስ መደብናን ገይርካ ምርኣይ እዩ። ዕውት ምድላው ጥራሕ ወዲእና ናብ ተግባር ንሰጋገር ከምዘለና ግልፂ ክኸውን ኣለዎ። ሐዚ ‘ውን ንውድብና ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ብዝተጠናኸረን ብዝለዓለ ሓላፍነትን ክቕፅል ዘለዎ መደብ እዩ። ነቲ ክሳብ ሐዚ ኣረጋጊፅናዮ ንብሎ ዘለና ናይ ኣረኣእያ ፅሬት ብተግባር ዓሚዩቕ ውፅኢት ከረጋግፅ ኣለዎ። ብተግባር ሰፊሕ፣ ህፁፅን ዘየቋርፅን ስራሕቲ ኢንዶክትሪኔሽንን ተግባር መሰረት ዝገበረ ህንፀትን ሰሪሕና ሐዚ እውን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ቓልሲ ዝተመስረተ ሓድነትና ክነጠናኽር ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ቅድሚ ፀላእትና ነንባዕልና ኢና ንበላላዕ ነይርና ኢልና ናብ ወያናይ ባህሪና ክንምለስ ኣለና። ከምታ ኣብ ውሳነና ዝበልናያ ፈፂሙ ካልኣይ ኣይድገምን (Never again)፣ ኢልና ብተግባር ክነርኢ ይግባኣና።

ኣብ መስመር ተሃድሶና ብቁልፍነት ዝተነፀረ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ንምዕጋት ቁልፊ መሳርሒ ተገይሩ ዝተወሰደ ምህናፅ ዓሚቕ ዴሞክራሲ ውድብን ሕብረተሰብን እዩ። ኣመራርሓ ውድብና ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪኡ ሓልዩ ምኻድን ዘይምኻድን ዝውስኖ ካብቲ መንታ ባህሪኡ ኣየናይ ባህሪኡ ዓብላሊ ወይ ዓብይ ቦታ ሒዙ ዝብል እዩ።ኣየናይ ባህሪኡ ዓብላሊ ዝብል ድማ ኣብ ምንታይ ሃዋህው ይሰርሕ፣ ኣብ ወያናይ ተግባር፣ ኣብ ምስ ህዝቢ ዝህሉ ወያናይን ናይ ብሓቂ ዴሞክራስያውን ምትእስሳር፣ ኣብ ውዑይ ዴሞክራስያዊ ደርባዊ ቃልሲ፣ ውዑይ ናይ ኣረኣእያን ኢንዶክትሪኔሽንን ዝካየደሉ ሰፊሕ ውሽጣዊ ዴሞክራስን ናይ ግልፅነት ኣሰራርሓን …. ወዘተ ዶ ይነብር፣ ይሰርሕ፣ ይቃለስ ዝብል ወሳኒ እዩ።እዚ እቲ ናይ ምብስባስን ፀረ-ምብስባስን ቃልሲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ወያናይ ዴሞክራስን ፅግዕተኛታትን ዝግበር ቓልሲ ዝካየደሉ ወሳኒ መድረኽን ወሳኒ መልክዕ ናይቲ ደርባዊ ቃልስን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ኣምር ብፅንዓት ዝትግበረሉን ውፅኢት ዝመፀሉን ካብዛ ናይ ሐዚ እዋን ንላዕሊ መድረኽን ቃልስን ኣይህሉን።

2.3. ኣብ ተግባር ዝተመስረተ ወያናይን መትከላውን ቓልሲ እናጎሃሃርና ውሽጣዊ ውድባውን ናይ ኣመራርሓን ሓድነትና ብዝለዓለ ትኹረት ምጥንኻር፤

ከምቲ መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮን ካብዚ ብዕሞቆት ናይ ምህዳስ መደብና ዝተመሃርናዮን ውሽጢ ውድብ ዴሞክራስያዊ ቓልስን ህይወትን ዝመርሖ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ሓድነትና እንተዘይኣጠናኺርና ቅድሚ ፀላእትና ባዕልና ኢና ንስዓር። ኣመራርሓና ንክብርታት ውድብና ተሓንጊጡ እናተቐላለሰ እንተዘይከይዱ ንውሽጢ ውድብ ቓልሲ እናሰንከለ ጭራ ህዝቢ እዩ ዝኸውን። ብድሕረታት ተዋሒጡ ኣብ ውሽጡ በለፅ፣ ምክእኣልን ምጥቕቓዕን እናነገሰ ውድብና ናብ ምብስባስ ክኣትው ይኽእል እዩ። ናይ ህዝብና ስግኣት እውን “ኣብዚ መዳይ ዘለና ፀገም ይፈትሕዎ ድዮም? ኣብ መትከል ዝተመስረተ ሓድነት ኣለዎም ድዩ? ብድምር ንዝብኢ ኣሕሊፎም ከይህቡና” ዝብል ስግኣት እዩ። ስለዚ ኣብዛ ዘለናያ መድረኽ ከም ውድብን ኣመራርሓን ኣብ መትከል ዝተመስረተ ሓድነት ንምጥንኻር ዝለዓለ ትኹረት ክንህብ ይግባእ። ውሽጢ ውድብ ዝመርሖ መትከላዊ ቓልሲን ሓድነትን ሎሚ ‘ውን ከምታ ናይ ትማሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል መስመር ውድቡ ዓሲሉ ፅኑዕ ዕርዲ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ውድብና ናይ ምዃን ልማዱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ክንገብር ኣለና።

2.4. ንህንፀት ትካላዊ ዓቕምታትና ብፍሉይ ትኹረት ክንሰርሕ ኣለና፤

ከምቲ ልዕል ኢልና ብዝተፈላለየ መንገዲ እናረአናዮ ዝመፃእና ጉዕዞ ህዳሰና ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ዓወቱ ውሑስ ዝኸውን ኣብ ድልዱል ትካላዊ ስርዓት እንተተመስሪቱን እንተተሃኒፁን ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብን መንግስታዊ ስርዓትናን ትካላዊ ስርዓት ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት ክንረባረብ ኣለና። ብፍላይ ናይ ሓፋሽ ውዳበታትን ኣብያተ ምኽርን ትካላዊ ዓቕመን ንምጥንኻር ብፍሉይ ትኹረት ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ ኩሎም በብልእኽቶና ዝተዋፈርናሎም ዓውደ ስራሕትና ክንደይናይ ትካላዊ ስርዓት ንሃንፅ ኣለና ዝብል ሕቶ ብቐፃልነት እናልዐልና ክንምልስ ኣለና። መዓልታዊ መተሃናነፂና እውን ክንገብሮ ኣለና።

2.5. ፅዑቑን ተኸታታልን ሱፐርቪዥን፣ ክትትልን ደገፍን ብጥብቂ ድስፕሊን ምትግባር፤

ስራሕቲ ከይዲ ተግባር በቲ ዝተቐመጠሉ ናህሪ እናተፈፀመ ተደማሪ ዓበይቲ ለውጥታት ንምርግጋፅ፣ ሰለጤንን ናይ ለውጢ ደረጃናን በብግዚኡ እናመዘንና ማዕበላዊ ናይ ኣፈፃፅማ ከይድን ውፅኢትን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ህዝብና ዘስተማቕሮ ምዕባለ ንምርኣይ ዘየቋርፅ ሓፀርቲ ግን ውፅኢታዊ ዝተወደበ፣ ትሉምን መመሃሃርን ስፐርቪዥን፣ ክትትልን ደገፍን በቢደረጅኡ ምፍፃም። ኣብ ጭቡጥ ርካቦት ዝተመስረተ ተኸታታሊ ግብረ መልስታት፣ ንህንፀት ዝሕግዝ ትንታነታትን መደምደምታትን ብምቕማጥ፣ ሓፀርቲ ሓገዝቲ ገምጋማት፣ ስልጠናታት ፣ ስርርዓትን ሽግሽጋትን ብምጉህሃር ብባዕልና ንባዕልና ናይ ምእራም ብቕዓትና አዕርዩ ክጉልብት ብጥብቂ ድስፕሊን ምትግባር የድሊ። እዚ ንምግባር ብቐንዱ ኣብ ውድብ ቤት ፅሕፈት ዝተወደበ መሰረታዊ ዓቕሚ ክፍሊ ሱፐርቪዥንን መፅናዕትን ማእኸል ኮይኑ ናይ ቢሮታት፣ ኣብያተ ምኽርን ሓፋሽ ውዳበታትን ምንቅስቓስ ሓቝፉ ዝነቓነቕ ክኸውን ክስራሕ እዩ።

2.6. መሳለጥቲ (Quick wins) ብምጥቃም ጭቡጥ ለውጢ ምምፃእ፤

እዞም ዝስዕቡ መሳለጥቲ ተግባራዊ ብምግባር ተስፋን ምልዓዕልን እናፈጠርናን እናደመርናን ንኹሎም ፈፀምቲ ዓቕምታት ልምዓታዊ ሰራዊት ናብ ምርግጋፅ መሰረታዊ ለውጢ ክወፍሩን ውፅኢት ከረጋግፁን ምግባር። ብመሰረት እዚ፡-

ሓደ፣ ናይ ሰለስተ “ም” (ምኽፋት፣ ምስማዕን ምውሳንን) ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ትርጉምን ዝተረደአ ብቑዕ ቓልሲ ብምግባር ብፅኑዕ ድስፕሊን ብምትግባር ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ጭቡጥ ውፅኢት ምርግጋፅ።

ካልኣይ፣ ንዓቕምታት ብረታዊ ቓልስና ንምጥንኻር ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ። እዞም ዓቕምታት ብረታዊ ቓልስና እንብሎም ዘለና ተጋደልትና (ጉዱኣትን ዘይተጎድኡን)፣ ስድራ ስውኣትና፣ ደቂ ስውኣትናን ነባራት ኣባላትናን ከምዝኾነ ግልፂ እዩ። ኣብዚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ነዞም ዓቕምታት እዚኦም ወዲብና ብሓደ ገፅ ካብቲ ዝረጋገፅ ዘሎ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሓዊ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ብኻሊእ ገፅ ድማ ከም ሰብ ዋና ናይዚ ስርዓት ብዝለዓለ ንጥፈት እናተሳተፉ፣ እናወሰኑን ክብርታቶም ነቲ ሓዱሽ ወለዶ እናመሓላለፉን ንክኸዱ ኣብ ምግባር ጉድለታት ከምዝነበረና ገምጊምና ኣለና። ብመሰረት እዚ ነቲ ዝገምገምናዮ ጉድለት ንከይንደግም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይዞም ኣካላት እዚኦም ከም በዓል ዋና ናይዚ እንሃንፆ ዘለና ስርዓት መጠን ዝለዓለ ተጠቀምትን ተሳተፍትን ንምግባር ኣብዘን ዝስዕባ ተመስሪትና ብፍሉይ ትኹረት ክንሰርሕ ግድን ይኸውን።

• ኣብ ተጋደልቲ፣ ስድራ ስዉኣትን ነባራት ኣባላትን ዘለዉ ፀገማት ብዝርዝር ምፍታሽ። ነቶም ፀገማት ወዲብካን ተንቲንካን ብትልሚ ዝግለፅ ጭቡጥ መደብ ምሓዝ፣

• ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ብውድብ፣ ብመንግስትን ህዝብን ዝፍትሑ ፀገማት ኣነፂርካ ተግባራዊ ምግባር። ብፍሉይ ኣብዚ ዝዋሳኣ ትካላት (ትእምት፣ ማረት፣ መንግስትን ውድብን) ንፁር ተልእኾ ሒዘን ብዝተዋደደ መንገዲ ንክሰርሓ ምግባር። ምእንታን እዚ ንፁር ትልምን ፓኬጅን ኣውፂአን ክንቀሳቐሳ ምግባር። ከምኡ እውን ብቑዕ ኣመራርሓ ምሃብ።

• ናይ ጡረታ ወይ ቦርድ ዘይረኸቡ ተጋደልቲ ጡረታ ወይ ቦርድ ዝረኽብሉ ኩነታት ምስ ፌደራል መንግስቲ ምርድዳእ።

ሳልሳይ፣ ህዝቢ ሎሚ ዓመት እናልዐለን ዝርከባ ጉዳያት ብእርይ ቑፅሪ ምፍላጥን ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ምፍታሕን። ሐዚ ብሰንኪ ናይ ኣመራርሓና ዘይምምጥጣን ኣብ ህዝብና ክልተ ዝንባለታት ዝራኣዩ ዘለዉ ምዃኖም ግልፂ እዩ። ህዝቢ ንዘልዐለን ጉዳያት እግሪ እግሪ እናተኸተለ ንናይ ህዝቢ ሕቶታት ትሉም ብዝኾነ ዝምልስ ኣመራርሓ ዘለወን ከባቢታት ህዝብና ተስፋ እናፈጠረን ውዑይ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ እናተጎሃሃረን ይኸይድ ኣሎ። ኣብተን ከምዚኣ እናገበረ ዘይኸይድ ኣመራርሓ ዘለዎን ከባቢታት ድማ ኣብቲ ህዝቢ “ዝገምገምናዮ ለውጢ ኣየምፅእን” ዝብል ናይ ተስፋ ምቑራፅ ዝንባለታት እናሓዘ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዛ ሐዚ ዘለናያ ጭቡጥ ኩነታት ከምዚ ዝበለ መንጎኛ መንገዲ ሒዝካ ምኻድ ድማ ፍፁም ኣይከኣልን። ስለዝኾነ ኣመራርሓና ብቑርፀኝነት ወሲኑ ህዝቢ ዘልዐለን ጉዳያት ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ከይመለስካ ምንባር ከምዘይከኣል ኣሚኑ ብፅንዓት ክጋደል ኣለዎ።

ብመንፅር እዚ ሕድሕድ ውዳበ፣ ሴክተርን ከባብን ዓሚ ይኹን ኣብዚ ናይ ሐዚ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ህዝቢ ዘልዐለን ጉዳያት እንታይ እንታይ ከምዝኾና ብዝርዝር ክፈልጥ ይግባእ። ነተን ዝፈለጠን ብሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ብኸመይ ከምዝምልስ ጭቡጥ ትልሚ ክሕንፅፅ ኣለዎ። ነተን ፀገማት ብሰራዊታዊ ምንቅስቓስ ብኸመይ ከምዝፈትሐን ንፁር ኣንፈት ኣቕሚጡ ተግባራዊ ክገብር ይግባእ። ብመሰረት እዚ ጭቡጥ መፍትሒ ዝሓዘ ትልሙ ሒዙ ናብ ህዝቢ ይቐርብ፣ ምስ ህዝቢ ኮይኑ የተግብር፣ ከመይ ከምዝተፈፀማ ይግምግም፣ ውፅኢት ገምጋሙ ሒዙ ናብ ህዝቢ ይቐርብ፣ ተመሊሱ ናይ ህዝቢ ሪኢቶ መሰረት ዝገበረ ቓልሲ ይገብር። በዚ ቅኒት እዚ ከይዱ ቐፃሊ ውዑይ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ዘየጎሃህርን ውፅኢት ዘየረጋግፅን መትከል ተሓታትነት ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ዝምጥኖ ክሰርሕ ምግባር። ስለዝኾነ ተፈተወ ተፀልአ ኣብዛ ሐዚ ዘለናያ ጭቡጥ ኩነታት ካብዚኣ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የለን።

ራብዓይ፣ ናይ ማእኸል ሃገርናን ወፃኢን ዓቕምታትና ውዳበታቶም ብምሕያል ንዝለዓለ ቓልሲን ምንቅስቓስን ንክዳለው ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ። ነዚ እውን ናይ ባዕሉ ዝኸኣለ ትልሚ ኣውፂእኻ ንውፅኢታውነቱ ጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ምግባር።

ሓምሻይ፣ ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ዝተጠናኸረ መትከላዊ ሓድነት ንምፍጣር ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ። ዴሞክራስያዊ ሓድነትና ንምጥንኻር ብሓፈሻ ትምክሕተኛታትን ፀበብትን ድማ “ልዕልነት ትግራይ ኣሎ” ብዝብል ፈሊጥ ንዝገብርዎ ዘለዉ ፀረ-ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዓገርገር ካብ ምንጩ ንምድራቕ ብፍሉይ ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ዝተጠናኸረ መትከላዊ ቓልሲ ክነካይድ ኣለና። ካብቶም ከም ውድብን መንግስትን እነካይዶም ስሩዓት መድረኻት ብተወሳኺ ውድብ ምስ ውድብ፣ መንግስቲ ምስ መንግስትን ህዝቢ ምስ ህዝብን ሓድነቱ ንምጥንኻር ዓሊምና ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ብዝተፈላለዩ ሜላታት ሚድያ፣ ተመኩሮ ልውውጣትን ብመደብ ዝግለፅ ምድግጋፍን መሰረት ገይርካ ምስራሕ። ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ውድባትን ህዝብታትን ኣብ መትከላዊ ቓልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ንምጥንኻር ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ ወሳኒ እዩ። ከምኡ እውን ኣጠቓላሊ ዝምድናታት ትግራይን ኣምሓራን ንምጥንኻር መረዳድኢ ኮንፈረንሳት ምክያድ። ምስ ካልኦት ኣጋር ውድባት ብፍላይ ምስ ዓፋር እውን ዝተትሓዙ ስራሕቲ ምውጋን። ብተወሳኺ ጉዳይ ግጮ ኣብ ሓፂር እዋን ብመሰረት እቲ ዝተነፀረ ኣግባብ መትከላዊ ቓልሲ ብምግባር ክውዳእ ምግባር።

መጠቓለሊ፤

ነቶም ድሕሪ ብዕምቆት ምህዳስና ዝወሰንናዮም ውሳነታት ደጊምና ዘኪርና ንተግባራውነቶም ንረባረብ። ኣብ ምዕራፋት ቓልስና ዘጋጥሙና ፈተናታትን ሓደጋታትን ንምብዳህ ነቶም ዝተነፀሩ ኣንፈታት መስመር ብፅንዓት ነኺስካን ህልኽካ ዘውድእ ቓልሲ ብምግባርን ልዕልነት ኣካብነት ክራይ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ብልዕልነት ልምዓታውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ብምቕያርን ዕላማና ውሑስ ከም ዝኸውን መስመር ተሃድሶና ብንፁር ኣቐሚጥዎ እዩ። እዚ ንምርግጋፅ ድማ ባህሪ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን ውድብና ከይተሸራረፈ ብቐፃሊ መትከላዊ ቓልሲ ብምህላው ከምዝኾነ ብንፁር ተቐሚጡ ኣሎ። ነቲ ውድብና ከይሸራረፈ ዘነፀሮን ብተግባር ህዝባውነቱ ዘረጋገፀን መስመር ሒዝካ ቐፃሊ ውዑይ ዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ምፍጣር ከምዝኾነ ኣነፂርዎ እዩ። ነቶም ሐዚ ኣብ ገምጋምና ኣፅሪናዮም ዘለና ጉድለታት ተቓሊስና እንስዕሮምን ጉዕዞ ህዳሰና ህያው እንገብሮን ሐዚ እውን ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮም ኣንፈታት ቓልሲ መስመር ተሃድሶና ብፅንዓት ሒዝና ብምግዳል ጥራሕ እዩ።

ብመሰረት እዚ ሓደ፣ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዲሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ብቐፃልነት ንክውላዕ ክንጋደል ኣለና። ከምኡ እውን ናይ ውሽጢ ውድብና ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መንገዲ ብፅንዓት ክነትግብሮም ግድን ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ውድብና ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ንፁር ግልፅነት ዘለዎ ምምሕዳርን እንተሃልዩ ናይ ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን መሰሉን ግቡኡን ተሓልዩ ዝመሰለካ ብምዝራብ ተሓጕስካ እትጋደለሉ ኩነታት እዩ ዝፍጠር። ካብ ምትግባር ትካላዊ ኣሰራርሓ ውድብና ወፃኢ እንተኸይድና ግን መሰላት ኣመራርሓን ኣባላትን ኣብ እንግዳዕ ድሌት ሰባት ምውዳቕ ይጅምር። ሰፊሕ ናይ ውሽጢ ውድብ ዲሞክራስን ግልፅነት ዘለዎ ኣሰራርሓን ብፅንዓት እናተተግበሩ እንተኸይዶም ድማ ስልጣንካ ንናይ ውልቀኻ መሳርሒ ምውዓል ዝበሃል ኣተሓሳስባ እናሃሰሰ ይኸይድ። ከምኡ እውን ንስልጣንካ ተጠቒምኻ ናብ ገዛኢ ደርቢ ክትቅየር ወይ ድማ ጠልቆምቆም ክትብል ዕድል ኣይህብን። ብናይ ስልጣን ግዕዝይና ንዝመፅእ ሓደጋ ዝፃወር ኩነታት ኣይፍጠርን። ብግልባጡ ረመፅ ዝኾነ ኩነታት እዩ ዝፍጠር፡፡

ካልኣይ፣ ሕድሕድ ኣመራርሓናን ኣባልናን ኣብ ናይ ውድብና ስነ ሓሳባውን ፖለቲካውን ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠት ክህልዎ ይግባእ። ንናይ ውድብና ዕላማ፣ መስመር፣ ካብቲ መስመር ዝምንጭዉ ፖሊስታትን ስትራቴጅታትን መተግበሪኦም ፓኬጃትን ብዝርዝርን ብዕምቆትን ፈሊጡን ተረዲኡን ንባዕሉን ንህዝቡን ክንደየናይ መድሕኑ ከም ዝኾኑ ብፅንዓት ሒዙ ክጋደል ኣለዎ። ነዚ መሰረት ገይሩ ውዑይ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ክውላዕ ይግባእ። በቲ ዝተወለዐ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ንባዕሉን ንውድቡን ተመሊሱ ከፅርዮን ክስሕሎን ኣለዎ። ናይ ውሽጢ ውድብ መድረኻትና ውዑይን ቐፃልን ደርባዊ ቓልሲ ዝካየደሎም ክኾኑ ብብቕዓት ክምርሑ ኣለዎም።

ነዚ መሰረት ብምግባር ሰፊሕ ናይ ኢንዶክትሪኔሽንን ናይ ኣረኣእያን ቓልሲ ክካየድ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ውዑይን ተቐፃፃልን ቓልሲ እንተተኻይዱ ምስ ህዝቢ ዝወገነ ሰፊሕ ተቓላሳይ እናፈረየ ክኸይድ እዩ። ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝገምገምናዮም ጉድለታት እናጠፍኡ ክኸዱ እዮም። ዝሓዝካዮ ስልጣን ንናይ ውልቀ ረብሓኻ ምውዓል ዝበሃል ነገር ከም ኣብ ምድረበዳ ዝዝራእ እኽሊ ክኸውን እዩ። ስልጣን ንዝሓዘ (ላዕለዋይ ኣመራርሓ) ናብ ገዛኢ ደርቢ ናይ ምስግጋር ዕድሉ ዋላ እኳ መሊኡ እንተዘይጠፍአ ትርጉም ናብ ዘይብሉ እናወረደ ክኸይድ እዩ። ንእሽተይ ስልጣን ሒዙ ጠልቆምቆም ዝብል እውን ኣብ ኣደባባይ ክቃላዕ እዩ። ስልጣን ንምሓዝ ዓሊሙ ናብ ውድብና ክፅንበር ንዝደሊ ድማ እቲ መንገዲ ዕፅው እናኾኖ ይኸይድ። ኣብ ውሽጢ ውድብና ብቑዕን ብሱልን ወያናይ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ እናጎልበተ ዝንብታት ናብ ኣናህብ ዘይቐርብሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ። ኣብ ውሽጢ ውድብና ናይ መሐሽከርን ተሓሽካርን ኣረኣእያታትን ዝንባለታትን እናተመሓዉ ክኸዱ እዮም።

ሳልሳይ፣ ብቅኒት እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ጉድለታትና እንተዘይኣስተኻኺልና ድማ ሓደግኡ ናይ ፅባሕ ጉዳይ ከምዘይከውን ጭቡጥን ከምቲ ኣብ ገምጋምና ዝረኣናዮን እዩ። ዲሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ኣብ ውሽጢ ውድብና ወሊዕና ምስቲ ምንቅስቓስን ቓልስን ሓፋሽ እናተኣሳሰርናን እናጎሃሃርናን እንተዘይከይድና ውድብና ፅኑዕን ዘተኣማምንን ሓፁርን ሓላውን ስኢኑ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ባህሪኡ ሒዙ ክቕፅል ኣይኽእልን። ኣብ ኣመራርሓና ብፍላይ ላዕለዋይ ኣመራርሓና ብስልጣን ናይ ምብዕላግን ምልዋጥን ሓደጋን ባህሪን ከጋጥም እዩ። ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓታት ውድብና ክስንክል እዩ። ውድብና ኣብ ቐፃሊ ካብ ወያናይ ተግባርን ቓልስን፣ ናይ ቐፃሊ ኢንዶክትሪኔሽንን ኣረኣእያን ቓልሲ መድረኻት እናወፀ እናጠምበወ ክኸይድ እዩ።ስለዝኾነ ድማ ሐዚ እውን ንናይ ውሽጢ ውድብ ቓልሲ ምጉህሃር ቆሪፅካ ምግዳል መማረፂ ዘይብሉ እዩ። ሐዚ እውን ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተወለዐ ቃልሲ ምስቲ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስ እናተኣሳሰረን እናተወዓዐየን ክኸይድ ምግባር እዩ ውሑስ መፍትሒኡ። እዚኣ ንምግባር ቆሪፅካ ምግዳል እዩ መፍትሒኡ።ኩሉ ነገር ትሕቲ መስመር ውድብናን ህዝብናን ሰሪዕኻ ኹለ መርኣይኻን ናይ ተግባር መምርሒኻን እናገበርካ ምግዳል እዩ መፍትሒኡ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ማእኸልን ቀንድን መፍትሒ ጉድለታትና ዘየቋርፅን ውዑይን ደርባዊ ቓልሲ ምውላዕ’ዩ። ናይቲ ወያናይ ዴሞክራስያዊ መሪሕ ካብ ደርባዊ መበቆሉ ዝብገሱ ብሓደ ገፅ ቓልሲ ውሽጢ ውድብ እንትጥንብው ስልጣን ብሒቱ ናብ ገዛኢ ደርቢ ዝሰጋገረሉ ባህሪ ከምዘለዎ፣ ብኻሊእ ገፅ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ውሽጢ ውድብ ብቐፃልነት እናተወዐዓየን እናጎልበተን እንትኸይድ ድማ ጎቦታት ከምዘፍርስ ዝተረደአ ዘየቋርፅ ቓልስን ምቅስቓስን ምግባር’ዩ ዘላቒ መፍትሒ ጉድለታትና።

እቶም ወየንቲ ደርብታት (ሕብረተሰባዊ መሰረትና) ኣብ ምሕላው ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪ መስመር ውድብና ብሓፈሻ፣ ኣብ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪ እቲ መሪሕ ድማ ብፍላይ ዝተረደአ ዘየቋርፅ ደርባዊ ቓልሲ ምክያድ።እዞም ወየንቲ ደርብታት ኣብ ውሽጦም ዘየቋርፅ ዝተወደበን ዝተጎሃሃረን ዴሞክራስያዊ ቓልሲ ብምክያድ ብሓደ ገፅ ነቕ ዘይብሉ ሓፁራት ወያናይ ዴሞክራስያዊ ባህሪ ውድብናን ኣመራርሓናን ንኽኾኑ፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝረኣዩ ኣረኣእያታትን ዝንባለታትን ፅግዕተኝነት ምስ ናይ ባዕሎም ጭቡጥ ረብሓ እናተተሓሓዙ ረመፅ ንክኾኑ ብብቕዓት ብምምራሕ እዩ ቀንድን ዘላቕን መፍትሒ ጉድለታትና ክኸውን ዝኽእል። ብኸምዚ ዝበለ ዝተኣሳሰረ ውዑይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራስያዊ ህይወትን ቓልስን ምስቲ ናይ ወየንቲ ደርብታት ዝተወደበ ውዑይ ምንቅስቓስን ቓልሲን ብምትእስሳር ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘለዉ ሕመቓት ብትረት ብምቅላስ ኣብ ልምዓት፣ ዴሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ዝሓዝናዮም መደባት ብውፅኢታውን ብዝተመጣጠነን መንገዲ ንዕውት ጉዕዞ ህዳሰና ብፅንዓት ብምግዳል፣ ንተዓዋታይነቶም ኣብ ፅላል ቆራፅ ህዝባዊ ውግንና ዓሲልና ጉዕዞ ህዳሰና ህያው ብምግባር ካሕሳ ስውኣትና ንምርግጋፅ ቀትርን ለይትን ምግዳል እዩ ዘላቒ መፍትሒ ጉድለታትና ክኸውን ዘለዎ።

ሎሚ እውን ከምታ ናይ ቀደምና ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኽኡ ንምብቃዕ ንውፈር ንበገስ!!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጐስን ነቶም ዝኾነ ጉርዲ ዘይለግቦም ስውኣትና!!

**********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories