ካብ እንዳ ራእሲ ክሳብ’ንዳ ባሕረ’ጋሲ ዘላ ባእሲ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ’ያ ትኾና ፈውሲ!

(ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (ewandt54[at]gmail.com)

ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ከይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል፡ ኣብ ውዲት ኣግኣዝያን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትንተናዊ ጽሑፍ” (ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ) [Hornaffairs.com 05/21/17] ዘርእስቱ ጽሑፍ ምሰ’ንበብኩ’የ እዚ ዝስዕብ ምሳለይ ክሕውስ ዝተበገስኩ። ቅድሚ ኹሉ ግን ወያነን ሻዕብያን ብ1998 ክንዋጋእ ንብገስ ኣለና ክብሉና እንከለዉ’ሲ፡ ዋ! ሰይጣንዶ ፈስዩልኩም ደቀይ! አረ በጃኹም፡ “ኢትቅተል” ኢያ ትብል ቀዳመይቲ ትእዛዝ ናይ ወለ’ዝጊ’ሞ፡ ዓበይቲ ዓዲ ባይቶ ወሪዶም ካልእ ሜላ ክሳብ ዝህንድሱ’ሲ በጃኻትኩም ኣይትታኾሱ ንምባል፡ ካብ እንዳ ባሕረ’ጋሲ ይኹን ካብ እንዳ ራእሲ ካልእስ ይትረፍ “ዕርቂ እንደርታ ጌርካትኩም ተዓረቑ” [9, 74] ዝብል ሸምጋሊ፡ ወይ ድማ ድባብ ተሰኪሙ ምህልላ ህዝቢ’ባ ስምዑ ክብል ዝፈተነ ቀዳሲ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ እዋን ብስጋን ብመንፈስን ካብ ዝነበረ ናይ መሪሕነት ዓይነት ኣማራጺ ሓሳባት ስለ ዘይተረኽበ ከኣ ውግእ ተጀሚሩ ቀጸለ።

ዝርሳዕ መኣስ ኮይኑ፡ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ወያነን ጋንታ ሻዕብያን ግጥም ከም ዝጀምራ፡ ብድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብድምጺ ወያነ ትግራይን እናተቓለሐ፡ ምስጢር ናይ መንቀሊኡ ከይተፈትሐ ኣብ ሓጺር እዋን’ዩ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዝተባርዐ። ኮይኑ ድማ ሰብ ሰንቢዱ፡ መጥቅዕ ተሃሪሙ፡ ደወል ተደዊሉ፡ መቖምያ ተደጊፍካ እዝግዮዮዮ…ዮ’ኳ እንተ ተባህለ፡ እቲ ኹሉ እዝግዮታ ብግእዝ ኮይኑ ምርዳእ ግዲ ኣጊምዎም’ሲ፡ ሬሳታት ምፍቃድ’ዩ ከም መለክዒ ውዕሎ ናይ ጅግንነት ዜና ኮይኑ ዝንገር ዝነበረ። ከም ሳዕቤኑ ንብዓትን ብኽያትን ምስ በዝሐ፡ ኣቤት ጉድ! አረ መወዳእትኡኸ እንታይ ኮን ክኸውን’ዩ ዝብል ሻቕሎት ናብ ኩሉ በጽሐ። ሻቡ ተማህላላይ ህዝቢ ዝርድኦ ተባሂሉ ዝቐረበሉ መልሲ፡ ባድመ ናይ መን ምዃና ንምውሳን’ዩ ዝብል ናይ ጀኦግራፊ ትሕዝቶ ኢዩ ኔሩ።

ብዝጀመሮ ቀጺሉ፡ እልፊ ኣእላፍ ንእስነት ኣብሪሱ፡ ውዑይ ደም ኣፍሲሱ፡ ስለ ዘይረወየ ሸውሃቱ – ቀዳመይቲ ዕማሙ ናይ’ዚ ዞባ ጎብለል መን ከም ዝኾነ ንምፍላይ – ናይ ዝና ዕማም – ኮይና፡ ካልኣይቲ ድማ ንዝተሳዕረ ናይ ትማሊ ብጻይ ምስ ሳዕርን እኽልን ሕውስ-ሕውስ ኣቢልካ ምሕሳይ ከምዝኾነት ቀልጢፈን ምስ ዓድን ዓውድን ተቓልዓ። ሳልሰይቲ ግን ብዙሕ ኣድህቦ ኣይረኸበትን። ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር፡ ንሓዋሩ ለውጥን ዕርቅን ዝሕሰብ እንተኾይኑ፡ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ህዝቢ፡ ዝብሎ ንርኢ፡ ተባሂላ ንወሰን ዝተጸግዐት’ያ ትመስል። ኣይትተዓደሎ! ከም ዝብሉ ዝመረሮም፡ ተዓዲልናዮ ግን ኣብ’ዛ ናይ እሂን-ምሂን ወልፊ ዘለዋ ዓለም ዕዳጋ’ሲ ወያነን ሻዕብያን፡ ንደርጊ ስዒርናሉ ዝብልዎ ብረቶም ከየቐመጡ፡ ደሃይ ደቆምን ቤተሰቦምን ከይፈለጡ፡ ፍቕሮም ወዲኦም ተባኣሱ’ሞ፡ ዝተዓወተን ዝተሳዐረን ብላዕልን ብታሕትን ተፋጢጦም – መልሓሰይ ትቀንጠብ- እናበሉ ከም ኣመሎም ብብረት ክሓስቡ እነሆ ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ።

እሞ መን ይፈልጥ ብትግርኛ ትዛረብ ልሳን ካብ ተቖለፈት’ሲ ብግእዝ ትዛረብ ልሳን እንታይ ከም ዝገደፈት፡ ወይ ድማ ኣበይ ከም ዝተዳሕፈት ሃሰስ ንምባል፡

ካብ እንዳ ራእሲ

ክሳብ እንዳ ባሕረ’ጋሲ

ዘላ ባእሲ፡

ፕላን-ሲ፡ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ’ያ

ትኾና ፈውሲ።

ዝብል ምሳለይ ከቐድም’ሞ፡ ዝጀመርኩዎ ክቕጽል። ዝኾነ ኾይኑ ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ፡ ቀዳመይትን ካልኣይትን ተባሂለን ተፈቒደን ዘለዋ ጥበብ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተፈቲነን፡ ውጽኢተን ድማ ትጽቢት ናብ ዘይተገብረሉ ጸልማት ገጹ ስለዝቐነነ’ሲ … ሓዲሽ ሓሳባት ሃሰስ ዝብሉ ሰባት ምሳሎም ክሕውሱ ነታ ሳልሰይቲ ኣማራጺት ክድህስሱ ዝንቀሳቐሱ ይመስሉ ኣለዉ ዝብል ትዕዝብተይ ከቐድም። ብምቕጻል ድማ ኣግኣዝያንከ እንታይ ማለት’ዩ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ናብ መንቀልየይ ክምለስ። ካብኡ ኣብ ኢደይ ካብ ዘለዉ መጻሕፍቲ ዝቐረምኩዎም ሓሳባት መሰረት ብምግባር፡ ኣግኣዝያን ደኣ ንክፋል ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣመዓባብላን ናይ ምንብባር ጥበብን ዝሕብር ናይ ታሪኽ ትሕዝቶ ኢዩ፡ ብምባል ነዚ ጽሑፍ’ዚ ዝምጥን ኣበሃህላ ክምልኣሉ። ብፍላይ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ናብ መድረኽ ምቕልቃሉ ድማ ወያነን ሻዕብያን ብዕላማን ብመበቆልን (ambition & origin) ከም ዝመሳሰሉ ኣዘኻኺሩ፡ አረ እንታ’ዩ ጉዱ፡ ወዮም “ዕርቂ እንደርታ ጌርካትኩም ተዓረቑ” ብዝብል ሜላ ናይ ለውጥን ዕርቅን እናተነባበሩ፡ ምስ ጥልያንን ቱርክን ፊት ንፊት ዝገጥሙ ዝነበሩ ወራዙት’ሲ ኣይወለዱንዶ፡ ኣየ’ውረሱን ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ፡ ህዝቢ እንታይ ይብል ኣሎ ናብ ዝብል ሚዛን ከምርሕ’ዩ ዝግብኦ ግምተይ። ንሱ እንተ ዘይኮነ ግን፡ ሕማቕ ንፉዕ እንተ ወለደ ተቐልተ፡ ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ፡ ዝብል መግለጺ ሰብ ቀደም ከዘኻኽር ይኽእል’ዩ።

እወ፡ ኣግኣዝያን ዝብል ናይ ታሪኽ ትሕዝቶ ናይ መፈራርሒ ትርጉም ተዋሂቡዎ ንነቐፌታ ካብ ቀረበ ግን፡ ኣቐራርባን ኣመራርጻ ቃላት ናይ በሃልቱ ብዘየገድስ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ዝፍንጥሕ እፉፋ ወይ ናይ ሓጋይ በርቂ የብሉን። ምናልባት መላለስ ናይ ዘረባ ብዓኸላይ ኢድ ምውጣጥ እንተ ዘይተመሪጹ፡ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ጸገም ከምዘለና መዋእልና ምስርክር ኢዩ። ማለት’ሲ፡ መራሕትና ከም ገመል ወጢጦም መወዳእትኡ ናብ ዘይፍለጥ ደልሃመት ምስ ደርበዩና፡ ናብ ዕዳጋ ስለ ወረደ ኩላሊትና፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረ በዳን ስለ ዝተበተነ ሬሳታት ናይ ወገንና፡ ትርጉም ስኢናሉ ንሂወትና፡ ናበይ ገጽና ዲና ንኸይድ ዘለና ንምባል’ሲ (..part of problem solving process..) … ኣግኣዝያን … ኣይኮነን ካልእ’ውን ዘቃልሑ እንተ በቖሉ ካብ መንጎና – ቃንዛ’ምበር ሕማም ተላገብ ከስምዕ ኣይግብኦን ስቓይና።

ኣግኣዝያንና ሓበሳት የተባሉ ሳባውያን።”

ዝኾነ ኾይኑ ምናልባት ብዛዕባ ኣግኣዝያን ጥልቕ ዝበለ ንባብ ዝደሊ ግዱስ እንተ’ሎ፡ ዶር ኣብርሃ ጳውሎስ፡ ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድሪ ባሕረጋስ ኤርትራ ኣብ ዝብል መጽሓፎም ገጽ 177፡ ናይ በይኑ ምዕራፍ መዲቦሙሉ ኣለዉ። ከምኡ’ውን ብኣባ ጋስፓሪኒ ዝተጻሕፈ የኢትዮጵያ ታሪክ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 46፡ “ኣግኣዝያንና ሓበሳት የተባሉ ሳባውያን፡ ከፈኒቃውያን ቋንቋ ከዕብራይስጥና፡ ከዓረቦች ቋንቋ ከዓረብ፡ የሚዛመደውን ቋንቋ ይዘው መጡ። ይኸውም ቋንቋ በዓረብ ኣገር ሳሉ ሳባዊ ቋንቋ ይባል ነበር። ወደ ኢትዮጵያ ከገቡ በኋላ ግን ከጥንታዊ ሳባዊ መሰረቱ ጥቂት የተለወጠ ሆኖ ግዕዝ ተባለ።” ይብል። ስለ’ዚ ኣግኣዝያን ዝብል ቃል ዘዘኻኽሮ ናይ ታሪኽ ትሕዝቶ እምበኣርከስ ብዛዕባ ናይ ሓባር ረቛሕን (special tradition) ፍሉይ ዝምድናን (special relationship) ናይ ደቡባዊ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራን ሰሜናዊ ክፋል ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኢዩ ብምባል ዝጀመርኩዎ ክቕጽል።

ውዲት ኣግኣዝያን።

ውዲት ኣግኣዝያንከ እንታይ ማለት’ዩ እንተ ተባሂሉ ግን …. ኣብ’ቲ ናይ ቀደም ኣበሃህላ “ውዲት ኣግኣዝያን” ዝብል ኣየረኸብኩን። እዞም ሕጂ ኣብ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ናይ ኣግኣዝያን ዝንጥልጠል ሓሳባት ሃሰስ ክብሉ ዝፍትኑ ዘለዉ ሓደስቲ ሰባት ድማ ንሓዋሩ እንድዒ’ምበር ክሳብ ሕጂስ ይሕመቕ ይጸብቕ ኣብ ልዕሊ ህሉው ኩነታት ኣሰሩ ክገድፍ ዝኽእል ትሕዝቶ ዘለዎ ሓሳባት፡ ዘሪኦም ዘብቆሉ ኣይመስለንን። ካብ ተባህለ ግን ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ዛዕባ ኮይኑ’ውን ክድገም’ዩ። ከመይ’ሲ ጸሓፋይ ኣቶ – ህዳሰ ኢትዮጵያ – ኣዝዩ ዘስግእ ዝምባለ ከም ዝተዓዘቡሉ ብስላዕ’ዮም ተተሓሒዞሞ።

ህዳሰዶ ውዳሰ?

ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ቅድሚ ምእታወይ፡ ከም ኣቐራርባ ናይ ጽሑፎም ጸሓፋይ ክልተ መልክዕ’ዮም ዘንጸባርቑ። ማለት’ሲ “ካብ ናይ ዝሓለፉ ጽሑፋትና ..” እንክብሉ ብዙሓት የምስሎም። “ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋተይ ገሊፀዮ ኢየ..” ዝብል ኣበሃህላኦም ድማ ግለሰብ’ዩ ዘምስሎም። ጌጋ’ኽለኣለይ’ምበር ናይ ብሕቶም ጻዕርን ድኻምን ከንጸባርቑ ዝጽሕፉ ግዱስ ዜጋ’ዮም ዝመስሉ። ግምተይ ጌጋ እንተዘይኮይኑ፡ እሞ ናይ ውልቆም ርኢቶ ንምንጽብራቕ’ሲ – ንሕና – ብዝብል ናይ ውዳሰ ኣበሃህላ ንባዕሎም ክጽውዑ ዝመርጹ እንተኾይኖም፡ ግን እታ ኣብ ጽሑፎም “ትምክሕቲ” እናበሉ ካብ ነብሶም ኣርሒቖም ኣብ ዝባን መሳፍንቲ ኣምሓራ ክጽዕኑዋ ድሕር ዘይብሉ ተረፍ-መረፍ ኣተሓሳስባ ናይ ቀደም፡ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ’ውን ኣይክትርሕቆምን’ያ፡ እንተ በልኩ ቅር ዝብሎም ኣይመስለንን። ስለዝኾነ ድማ ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ምርጫኦም ኣኽቢረ፡ ብናይ ውዳሰ ኣበሃህላ ክጽውዖም መሪጸ’ለኹ። ዝምረጽ ኣይኽለኣና!

ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ትሕዝቶ ድማ ብቐንዱ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ብመጠኑ ብዛዕባ ኢትዮጵያ፡ ብኸፊሉ ድማ ብዛዕባ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዝድህሰስ ናይ በይነይ ጻዕሪ ንምንጽብራቕ ኢዩ። ድምር ውጻኢት ናይ ዝርዝሩ ድማ፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ናብ መበቆላዊ መልእኽቲ ናይ ኣግኣዝያን ከዛምዶ ክጽዕር’የ። ዕላማይ ከኣ እንተ ተጋግየ ተማሂረ ዝእረመሉ ምሳለይ ንምሕዋስ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዝጣበቐሉ ውድብ ይኹን፡ ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ፍሉይ ናይ ፖለቲካ ህርፋን የብለይን። ብፍላይ ምስ’ዚ ኣግኣዝያን ተባሂሉ ንወቐሳ ቀሪቡ ዘሎ ምንቅስቓስ ድማ ኣባልነት የብለይን። ምናልባት እንተ ኾይኑለይ ግን ብቖሎ ጥጥቖ ዝረአ ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጥራር ተሰጊሩ ብሓዲሽ ሓሳባት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ዝርከብ ትግሪኛ ዝዛረብ ህዝቢ፡ ካብ’ዚ ወሪዱዎ ዘሎ ናይ ምፍልላይ ኣደራዕ ዝገላግል ለውጥን ዕርቅን ክወርደሉ’ዩ ጸሎተይ።

1) ኤርትራ፡

“Truly I built a colony and gave it to Italy.” Ferdinando Martini “architect of modern Eritrea.”

ጸሓፋይ ብዛዕባ ኤርትራ እንክትንትኑ፡ ነቶም ኤርትራውያን ዝብልዎም ሰባት ከመ’ለኹም ደሓንዶ’ለኹም ዘይኮነስ ግርም ኣለኹም ክብልዎም ዝቐልለሎም ስለ ዝመስሉ’ሲ፡ መልእኽቲ ናይ ትንታነኦም ናብ ኣንበብቲ ናይ ጽሑፎም ስኢላ ከተቕርባ እትፍትን ኤርትራ ምስ’ታ ኣነ ገዲፈያ ዝመጻእኩ ኤርትራ ኣይትመሳሰልን’ያ። ከም ርኢቶይ ጸሓፋይ፡ ብፅሑፎም እንኪመዝኖም ኣነ፡ ምስ በዓል ስኞር ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ማክያቶ ዝሰትዩ ዝነበሩ ናይ ቀደም ቀደ…..ም ሰብ’ዮም ዝመስሉ እንተ በልኩ ብዙሕ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ብሓፈሽኡ ብዛዕባ ሃለዋት ናይ’ዛ ንእሽቶ ኤርትራ ሃሰስ ምባል ዝድፈር እንተኾይኑ ግን፡ በዓል ስኞር ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ካብ ዝጥጅእዋ ክሳብ ሕጂ፡ ማለት’ሲ ኣብ ግዜ ጥልያን ኣብ ግዜ እንግሊዝ ኣብ ግዜ ዘውድን ደርግን ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ሻዕብያ ዝተፈተነ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ወላ ንሓጺር እዋን’ኳ ሰሊጡ ትንፋስ ክህባ ኣይተራእየን። ዘይረአናዮ ይፍጠረልና። ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ ግን ካብ ሰማይ ድዩ ነጢቡ ካብ መሬት ቦቚሉ ኣይገለጽዎን ደኣ’ምበር ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ “ዘመናዊ ሕገ መንግስቲ፡ ዴሞክራስያዊ መረፃታት፡ ናፃ ፕረስ” …. ዝመስል ምዕቡል ናይ ምምሕዳር ስርዓት ሰፊኑ ከምዝነበረ ብድፍረት’ዮም ዘዘንትዉ። ዝገርምን ዘሕዝንን ኢዩ።

ካብ ከም’ዚ ዝመስል ፕሮፓጋንዳ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ብምብጋስ ድማ እቲ “ናይ ዴሞክራሲ ኣመራት ሒዙ ክንቀሳቐስ ዝጀመረ ናይ ኤርትራ ፈደረሽን” ምስ’ቲ ድሑርን መስፍናውን ስርዓተ-ምምሕዳር: ከም ኣበሃህላኦም “ዘውዳዊ ስርዓት” ናይ ትምክሕተኛ ኣምሓራ ክቃዶ ዘይክእል ውህደት ምስተፈተነ’ዩ “ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ንጉሳዊ ስርዓት ብረት ዘልዓለ” ክሳብ ምባል ይመጣጠሩ። እቲ ከምኡ ዝመስል ተባህለ ከም መማቕርቲ ትንታነኦም ምስ ኣንጸፉ ድማ፡ ሃምን ቀልብን ናይ ኣንበብቶም ዝተቖጻጸሩ ግዲ መሲሉዎም፡ ወዮ ሓደ ህዝቢ ሓንቲ ልቢ እናበለ፡ ከም ደቂ ሕድርትና ናብ ጎቦታትን ኣጻድፍን ጨውዩ፡ ብሓንቲ እዝንና ጥራይ ክሳብ ንሰምዕ ዘጎርነወና፡ ብሓንቲ ዓይንና ጥራይ ክሳብ እንርኢ ዘዕወረና ጽውጽዋይ ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ከም ወሳኒ ናይ ታሪኽ ነጥቢ-መቐይሮ ኣምሲሎም ናብ ኣንበብቲ ናይ ትንታነኦም ደጊሞም ንኸቕርብዎ ህ’ሞ በሉ ይብሉና። ኣነስ ኣይበትከለይን’ዩ ትብል ነበረት ዓባየይ ከም’ዚ ዝመስል ዝገርም ዛዕባ እንከጋጥማ። ወለ’ዝጊ ምስ መላእኽቱ ይጸብምራ።

1.1)“ህዝቢ ኤርትራ ብረት ምልዓሉ ትኽክል’ዩ።”

ዝጀመርዎ ንምቕጻል፡ ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓሳባት ዘይፍታሕ ብድሆ ኣጋጢሙዎ፡ ብረት ንኽዓጥቕ ክመክር እንከሎ ባይቶ ወሪዶም ከም ዝወዓሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህብዎ ፍርዲ “ህዝቢ ኤርትራ ብረት ምልዓሉ ትኽክል’ዩ” ብዝብል ሓረግ ዝጥመር ይመስል’ሞ፡ ካልኣይቲ ገጽ ከይገንጸሉ “ሻዕብያ ካብ መበቆሉ ፀረ ህዝቢን ፀረ ዴሞክራሲን ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፅሑፋተይ ገሊጸዮ እየ” ብምውሳኽ፡ ትኽክለኛ ብረት ዝተዓጥቀ ልኡኽ ህዝቢ ኤርትራ ክብልዎ ዝደልዩ ንሶም፡ መን ከም ዝነበረ ብንጹር ከይሓበሩ ሰንፈላል ይገድፍዎ ንትንታነኦም። ኣብ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ እቲ ዝገርም መላፍንቲ ናይ’ቲ “ወያናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት” ዝብልዎ ንሶም፡ ዝነበረ ሻዕብያ ካብ መበቆሉ ፀረ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ፡ ዝብል ሚዛን ኣቐራርባኦም፡ ቅቡል እንተ ኾይኑ’ሲ፡ ካብ ካይሮ ትእዛዝ ምስ ተላእከሉ ዓዋተ’ዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብረት ምትኳስ ጀሚሩ፡ ንምባል ዝገማገሙ’ዮም ዝመስሉ። ምናልባት ካብ ክልቲኡ እንተዘይኮይኑ ግን ካልእ በዓል ካላሽን ይረኣዮም ከይህሉ ዘየጠራጥር መኣስ ኮይኑ።

ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ሕጂ’ውን ምስ’ዚ ኹሉ፡ ኣብ መዋእልና ሰፊኑ ዘሎ ብርሰትን ዕንወትን’ሲ ብብረት ምሕሳብ፡ መንገዲ “ህዳሰ” ዝመስሎ ናይ ሓሳባት ድኽነት ኣሎ ማለት ድዩ፡ ዘየብል መኣስ ኮይኑ። ክቡር ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ናይ ዝና ዕማም – ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ – ንምጽራይ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዝምድና ህዝብታት ብብረት ከም ዘይኹስኮስ ጠፊእኩም መኣስ ኮይኑ። ሰኣን ንእሽቶ ስርዓት፡ ናይ ኲናት ኣደራዕ እንተ ወሪዱ ግን ዝተፈላለየ ምኽንያት ደርዲሩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዝሞተ ሞይቱ፡ ዝሰንከለ ሰንኪሉ፡ ዝጠፍእ ምስ ጠፍአ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ዝግበረሉ ብሓዲሽ ሓሳባት ከም ዝኾነ ትስሕትዎ ኣይብልን ኣነ።

ስለ ዝኾነ ድማ ትማልን ሎምን ኣብ ልዕሊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሳፊሑ ዘሎ ጸገም፡ ናይ ሓሳባት ድኽነት’ዩ’ምበር ናይ ብረትን ናይ ዓረርን ዋሕዲ ከምዘይኮነ ካባይ ንላዕሊ ትፈልጡዎ ኢኹም። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ “ህዝቢ ኤርትራ ብረት ምልዓሉ ትኽክል’ዩ” ዝብል መደምደምታ ዘለዎ ሓሳባትኩም ብጽሑፍ ክቐርብ እንከሎ’ሲ ንመን ንምድዕዓስ’ዩ? ንኤርትራዊ ድዩ ንኢትዮጵያዊ? ህዝቢ ኤርትራ’ኮ ሂወቱ፡ ደቁን ጥሪቱን፡ ዘሕድጎ በዓል ብረት’ምበር መሰሉ ዝሕልወሉ በዓል ብረት ክሳብ ሕጂ ኣየጋጠሞን፡ እንተ በልኩ፡ ሓሳብኩም ትቕይሩ ዶኾን ትኾኑ? ጌጋ ይኽለኣለይ እምበር ከም ኣተሓሕዛኹም ዝተበህለ እንተ ተባህለ ሓሳብኩም ትቕይሩ ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ ስልጣን እንተ ኣሪጉ ክሕባእ’ዩ ዝመርጽ ኣብ በዓቲ ናይ ታሪኹ። ብዘይምግናን ግን እቲ እተድንቕዎ ብብረት ዝሓስብ ፍልስፍና ርእሲ ሓምሓም፡ ንዝናኡ ዘምልኽ ሓዲሽ ሕብረተሰብ ክስንዕ፡ ሓጹር ግራት ኣባ ዥጎ ዝግንጽል ዓቕሚ ኣለኒ ክብል ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ምስ ኣገሞ’ዩ ሓምሓም ርእሱ ተጨፍሊቓቶ። ሻቡ ድማ ኢዩ፡ ንጉስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ቀያሕ ወረቐት ኣውጺኡ፡ ምርጋሕ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ሕግን ጥበብን ናይ ጸወታ ክሳብ ትዕለም ውጻእ ብምባል ካብ ሜዳ ኣባሪርዎ። ምናልባት ኣብ ግዜ ዕረፍትኹም ጸወታ ክትርእዩ ናብ’ቲ ሜዳ እንተ ኸድኩም’ሞ ነቲ ቀደም ትፈልጡዎ ዝመስል ማልያ ዝለበሱ ተጻወቲ ዝረኣይኹም እንተኾይኖም ግን፡ መነጸርኩም ቀይርዋ። ሻቡ ንሳቶም ከም ዘይኮኑ ክበርሃልኩም’ዩ።

1.2) ዓገብ!

እወ፡ ብረት ምልዓል ምርጫ ናይ ህዝቢ ከም ዘይነበረ ኣይጠራጠርን ኣነ። እኳ ደኣ እቲ ንሓጺር እዋን ፈኸም ክብል ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሓሳባት ውድድር በቶም ብረት ዘልዓሉ ተዓብሊሉ፡ ቀልጢፉ ከም ዝተኾልፈ ዘከራኽር ኣይመስለንን። በዓል ብረት ምስ ተቖጻጸሮ ንባይቶ ግን፡ ወዮ ውድድር ናይ ሓሳባት ካብ ዝነበሮ ምዕይ ከይበለ፡ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ናብ ዝብል መጣጥሒ ስልጣን ተጨውዩ፡ ኣይብላዕ ኣይስተ ኮይኑ ተሪፉ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ብቐረባ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ፈረንጂ እንታይ በሉ ምባል ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡ እንግሊዝ ምስ ጥልያን ኣብ ቁልቁለት ጥንቁለሓስ ትኹስትር ቀንዩ ምስ ተረከባ ንኤርትራ፡ ትኽ ኢሉ’ዩ ናብ’ታ ጸባብ ጽርግያ ‘ኮምብሽታቶ = ናብ’ዚ’ቢልካ ኣይትእቶ’ ዝኣተወ። ይኹን ደኣ’ምበር እንግሊዝ ሓፍ ዘይብል መስዋዕቲ ናይ ጸለምትን ጸዓዱን፡ ኣዕራብን ህንድን … ከፊሉ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ብዘጋጠሞ ኩነታት ኣይዓገበን። እኳ ደኣ ዓገብ!! ብምባል፡ ኣንታ’ዞም ፋሺሽቲ ክንደይ ይጭክኑ።

ታሪኽን መበቆልን ፈንጢሖም፡ ካብትን ካብዝን ቆራሚሞም ብምትካብ’ሲ ሕብረተሰብ ይስንዑ። **As the British former colonial civil servant Gerald Kennedy Trevaskis puts it, ‘Italy created Eritrea by an act of surgery: by severing its different people from those with whom their past had been linked and by grafting the amputated remains to each other under the title of Eritrea.’ 2, 8. (“Truly I built a colony and gave it to Italy.” Ferdinando Martini 1, 54 “architect of modern Eritrea.” 1, 236) ድሕሪ ምባል፡ ደቀይ እንታይ ገበሩ እዞም ሰባት፡ ዝሓለፈ’ስኪ ይእከሎም። ንሓዋሩ ሓቢርካ ምንባር ምእንቲ ክቐልሎም’ሲ፡ እዘን ጥልያን ዝሰፈየን ፈትሊ ቅንጥብ ቅንጥብ ኣቢልካ፡ ነናብ መበቆሎም እንተተመልሱ ይሕሾም፡ ዝብል ቡሳጣ ሙሉእ ሓሳባቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ለኣኸ።

1.3) ውሕዥ ሓጋይ ይፍጠረሉ!

እዛ ናይ እንግሊዝ ፈተነ’ዚኣ ነዊሕ’ዩ ሰራውራ። ኣብ ሎሚ በጺሓ ብኣይን ብኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያን ትጻረ ኣይኮነትን። ብርግጽ ግን ናይ ታሪኽ ተንተንቲ ምስ’ቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ዕላማ ከም እትሰማማዕ ክገማጡልዋ ስለ ዝኽእሉ፡ ዝወሃባ ትንታነ ክፈላለ ይኽእል’ዩ። ምናልባት ግዱሳት ደቂ ወጻኢ ዘንጸባርቕዎ ኣናብባ ታሪኽ ግን ሚዛናዊ ትንታነ ክኸውን ይኽእል ይኸውን’ዩ። ንግዜኡ ግን ‘ኣግኣዝያን’ ዝብል ሓሳባት ካበ’የናይ ዝነጸፈ ሩባ ጨቐቕ ክብል ይፍትን ከም ዘሎ ትእምት’ያ ትመስል ንምባል’ዩ ጻዕረይ። ውሕዥ ሓጋይ ይፍጠረሉ። ዘሕፍር ወይ ድማ ዘፍርሕ የብሉን ከም ርኢቶይ። ክሳብ ዘመን ኣግኣዝያን ከይተራሕቀ ግን፡ ጥልያን ኣብ ኤርትራ ንፍርቂ ዘመን ጸኒሑ፡ ወራሩ ናብ ምልእቲ ኢትዮጵያ ምሰ’ስፋሕፍሐ፡ ንኤርትራን ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ምምሕዳር ዝኣልየን ዝነበረ’ኮ፡ ሕዱር ምምስሳል ናይ ባህልን ህዝብን ዝተመርኮሰ ምምሕዳር ምእንቲ ክቐልለሉ’ምበር፡ ዓባይ ትግራይ ወይ ድማ ትግራይ ትግሪኚ መስርት ዝብል ትእዛዝ ካብ ሮማ ስለ ዝተላእከሉ መኣስ ኮይኑ።

ስለ’ዚ በቲ ሓደ ወገን እንዳ ሃጸይ ምንሊክ ስልጣኖም ንምጥጣሕ ምእንቲ ክሰልጦም ምስ ባዕዳውያን ወረርቲ ተመሻጢሮም ንህዝቢ ትግርኛ ናብ ክልተ መቒሎሞ ብምባል ብፖለቲካ መሳፍንቲ ናይ ሸዋ ምውርዛይ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ጥልያንን እንግሊዝን’ዮም ምእንቲ ረብሐኦም ትግራይ ትግሪኚ ትበሃል ሃገር ክስንዑ ፈቲኖም እምበር ሩባ መረብ ከም ዝፈላልየና መኣስ ጠፊኡና ምባል ዘተዓዛዝብ ኢዩ።

ንግዜኡ ግን እዘን ዝስዕባ ክልተ ገጻት ብዛዕባ ኣተረጓጉማ ታሪኽ እስኪ ክሕውስ። ኣብ መጽሓፎም ዘሎ ስእሎም ከም ዝሕብሮ፡ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ዝመስሉ ጸሓፋይ የማነ ገብረመስቀል፡ ቀዳማይ ወያነ ኣብ ዝብል መጽሓፎም ገጽ 63 “ዓባይ ትጋራይ ማለት እዚ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤርትራን ክልል ትግራይን ዝበሃል ትግርኛ ተዛራቢ ህዝብታት ዝነብረሉን ከባቢታት ኣብ ሓደ ብምጥቕላል ሓንቲ ሃገር ንምፍጣር ብመንግስታት ጥልያንን እንግሊዝን ዝተገብረ ምንቅስቓስ እዩ።” ዝብል ጽሑፍ እንከቕርቡ፡ ኣብ መጽሓኦፍም ብዘሎ ስእሎም ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ዝመስሉ መምህር ገብረኪዳን ደስታ ድማ፡ እምቢታ ኣንጻር ወረርቲ ኣብ ዝብል መጽሓፎም ዘቕርብዎ ኣናብባ፡ ንተመሳሳሊ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፡ ትግራይ ትግሪኚ ዝብል ገላጺ ሓረግ ይመርጹሉ።

ትርጉሙ ድማ ኣንጻር ጸብለልትነት ናይ ኣምሓራ ክሓብር ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ተዛረብቲ ትግርኛ ድጉል ተመሳሳልነት ንምንጽብራቕ ዝሕልን’ዩ ዝመስል። ከመይ’ሲ ኣብ ገጽ 137 “ህዝቢ ትግራይ ትግሪኚ ካብ ዓወት ዓድዋ ዝጽበዮ ዝነበረ ምስ ህልውንኡን ሓድነቱን ዝተኣሳሰረ ናፅነት ኣይዓተረን።” ዝብል ጽሑፍ እንክንበብ ኣብ ገጽ 145 ድማ “ህዝቢ ትግራይ ትግሪኚ ከም በዓል ምንሊክ ዝበሉ ፀላእቲ ኢዮም ምእንቲ ረብሐኦም ኣብ ክልተ ከፊሎሞ እምበር ሓደ ህዝቢ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ኣይነበሮን።” ዝብል ጽሑፍ ይውሰኸሉ። ናይ ክልቲኦም ጸሓፍቲ ኣበሃህላ ሕጂ’ውን ምስ እዋን ይንጸባረቕ ከምዘሎ ንምሕባር ክሳብ ዝመስል ድማ፡ መምህር ገብረኪዳን ደስታ፡ እምቢታ ኣንጻር ወረርቲ ኣብ ዝብል መጽሓፎም ገጽ 283፡ “… ካብ ጉንደት ጀሚሩ ክሳብ መተማ ዝነበረ ተጋድሎን ዝተኸፈለ መስዋእትን፡ …… እቲ ኣብ መዋእልና ኣብ መንጎ ማእከላይ ሽማግለ ህወሓት ዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ምግምማዕ’ውን ነዚ “ምእንቲ ታመጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ዘይብል ውርሻ ወለዲ እዩ ብሩህ ዝገብረልና።” ብምባል ኣተኣላልያ ዝምድና ህዝብታት ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ሓዲሽ ሓሳብ ይጽበ ከምዘሎ ይእምቱ።

1.4) ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ። (ምስላ)

እቲ ዝገርም፡ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም፡ ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ምእንቲ ረብሓ ናይ’ቶም ሓያላት ተረባሕቱ፡ ንእንግሊዝ ትም በል፡ ‘ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ’ ኢዩ ዝመስል ፈተነኻ። ብዛዕባ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ናይ ሓባር ረቛሕን (special tradition) ፍሉይ ዝምድናን (special relationship) ዘጨንቕ የብልናን። ንጉዳይ ኤርትራ ከም’ታ ካብ ጥልያን ዝተረከብካያ ቀጽላ ይብልዎ’ሞ፡ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ከም ጲላጦስ ኢዱ ተሓጺቡ፡ “London presented the United Nations with a plan that envisaged the division of Eritrea, with the western lowlands going to Sudan and the remainder to Ethiopia. The United Nations refused to endorse the scheme. Britain, fed up with attempting to resolve the future of Eritrea, turned the issue over to the UN.” 2, 11 ካብ’ዛ ዝበልኩኹም ትሓይሽ ራእይ እንተ’ላትኩም’ሲ፡ እነሀትልኩም ኤርትራ። ባዕልኹም ከም’ቲ ዝግበር ግበርዋ፡ ብምባል እታ ፋይል ናብ ኒው ዮርክ የመሓላልፋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ድሕሪ ካልኣይ ውግዕ ዓለም፡ ኣኽባር ሕጊ ናይ ምሉእ ዓለም ክኸውን፡ ኣነ’የ ዝፈልጠልኩም ይብል ስለ ዝነበረ፡ ብዝጀመሮ ቀጸለ። ሻቡ ናብ’ቲ ብርዕን ርሳስን፡ ጥራዝን ወረቐትን ከም ናይ ሰማያት ማና ዝቑጸረሉ፡ ወንጌል ክርስቶስን ቁርዓንን ጥራይ ከም መጻሕፍቲ ዝሕሰቡሉ ዝነበረ መደረኽ፡ ክንዲ ፍትሓ ነገስት ዝዓቢ ስንክሳር ደሞክራሲ ዘለዎ [Shaping A People’s Destiny: The Story Of Eritrea and The United Nations] መጽሓፍን፡ ባንዴራን፡ ኣሰኪሙ ሊቃውንቱ ናብ ኣስመራ ለኣኸ። መዓልቦ ግን ኣይተረኽበን። ብኻልእ ኣበሃህላ ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ዝሓለፈ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከም ዝምስክሮ፡ ወዮ ሕቡራት ሃገራት እሉኹ ንምልንቃጥ ዝወጠኖ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ፡ ብዙሓት – እሉኾም ክልንቅጡ ዝህንጠዩ – ተረባሕቲ’ውን ስለ ዝተጎዝጎዝዎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ደምን ረሃጽን ይኮዖ’ሎ። ህዝብን ባህልን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ እንዳ ይሁዳ ተበቲኑ ይቕህም ኣሎ። ዘመክሕ ዘይብሉ።

ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፡ ንመጻኢ’ውን ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሕዝ’ዩ ዝመስል’ሞ እቲ ሓዲሽ ኩነታት ንኢትዮጵያ’ውን ኢዳ ክትሕውስ ክዕድማ ይኽእል’ዩ፡ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ምሁራት ድምጾም ከቃልሑ ጀሚሮም ኣለዉ። ዝሓለፈ ሕሰምና ዝመጽእ ድማዕና ይግበረልና። ኮይኑ ድማ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ መጻኢ ዕድል ኣህጉራዊ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል’ዩ ክሳብ ምባል ካብ ተበጽሐ’ሲ፡ ብገለ ገለ መንገዲ መስተርሆት ጨኒቑዎም ዘሎ ኤርትራውያን ‘ኣግኣዝያን’ ዝብል ሓሳባት እንተ ተቓለሐ ነቲ ልሙድን ሕዱርን ዝመስል ዘሎ በዓል እዋን ዘባህርር ውዲት ዘለዎ ኣይመስለንን። ኣብ ስደቶም ናይ ምጽሓፍን ናይ ምዝራብን ጸሓይ ዝበረቐትሎም ሰባት ይዛረቡ’ለው ኢልካ ምሕላፉንዶ ምኣኸለ። እዞም ኣግኣዝያን ዝብል ናይ ታሪኽ ትሕዝቶ ከም መበገሲ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ምናልባት ኣበ’መራርጻ ናይ ቃላት ንእዝኒ ሰማዒ ዘደንጹ ኣበሃህላ እንተ ተተቒሞም ድማ፡ ዝሰርሕ ይሕመ ዕባራ ይግመ፡ ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር’ዩ ዝመስል ኣበጋግሳኦም።

ንግዜኡ ግን ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ታሪኽ’ዩ ዝብልዎ ዘገርም ዕላሎምን፡ ከምኡ’ውን እቲ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝጻረር ሕልሚ ቀትሪ ኢዩ፡ ዝብልዎ ናይ ኣግኣዝያን “ውዲትን” ንወሰን ኣጸግዕ ኣቢለ፡ ስግኣትን ምጽብባእን ብዘየንብብ መነጸር፡ ናይ ታሪኽ ንባብና ክንቅጽል እንተ ዓደምኩዎም ዝኣብዩኒ ኣይመስለንን። ሕራይ ከም ዝበሉኒ ተኣማሚነ ድማ እዛ ትስዕብ ኩሉ ሰብ ዝፈልጣ ትዕዝብቲ ፈረንጂ ክሕውሳ። ኣብ ኤርትራ ዝነበረ እንግሊዛዊ’ሲ ነቲ ኩሉ ሓሸውየ ምስ ተዓዘበ፡ እዞም ኣብ ፋብሪካታት ናይ ጥልያን ዝሽቅሉ ሰባት’ዮም ወርሓዊት መሃያ ምእንቲ ከይትቋረጾም፡ ብናይ ምንፍፋግ ፖለቲካ ዓድን ዓውድን ዘናውጹ ዝነበሩ’ምበር፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራስ፡ “ብጽሕቲ ጓሉ እንተ ተሓጽያትሉ፡ ላሙ እንተ ወሊዳትሉ፡ ኣዝመራ እንተ ሰሲኑሉ፡ ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና በሃላይ ኢዩ ኔሩ።” ይብል። ጽውጽዋይ መኣስ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣርከስ ኣይኮነን ኣብ ግዜ ፈደረሽን፡ ኣብ ግዜ ናይ’ዛ በዓል ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ከም መቖርጠጢት እዝንና ዝጥቀሙላ ረፈረንደም’ኳ ናይ ምስጢር ተኻፋላይ ኣይነበረን። ምህልላ ግን ኣይገደፈን።

1.4) ሰንሰለትን መሰረትን ሕጊ እንዳ’ባ

ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ምዕባለ ከም ዝነበረ ንምዝካር፡ እቲ ቀደም ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ፡ መጽሓፍ ሕጂ ምዝካሩ ንሓሳባት ናይ እዋን ዘርብሕ እንተኾይኑ ግን፡ ዝናፈቕ የብሉን። ትሕዝትኡ ንአውሮጳን ኣመሪካን ከም ዝረቐቐ’ዩ ተዃሒሉ ቀሪቡ። ስለ ዝኾነ ድማ ገለ ገለ ካብ’ቶም – ደቀ’ስመራ ኢና በሃልቲ – ተረፍ መረፍ ጥልያንን እንግሊዝን ዝኣራረዩ ሰብ ካምቻን ክራቫታን እንተዘይኮይኖም፡ ካልእስ ይትረፍ መብዛሕትኦም ኣባላት ፓርላማ ናይ’ቲ ሽዑ እዋን መንግስቲ ኤርትራ’ኳ ከንብብዎን ክርድእዎን ዝኽእሉ ትሕዝቶ ኣይነበሮን። “The United Nations Resolution on the future of Eritrea constitutes one of the most outstanding and constructive experiments which the United Nations has undertaken throughout the world. UN Commissioner Eduardo Anze Matienzo, October 1951.” (1, 151) ግደ ሓቂ ግን እቶም ሰብ ነጸላን ጥቢቆን’ሲ በቲ ምስ ደረጃ ምዕባለ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ዝሰርዖምን ዘዛምዶምን ስርዓት ሕጊ እንዳ’ባ’ዮም ዝመሓደሩ ዝነበሩ። ምናልባት መዘኻኸሪ ወይ’ውን ሓሳባት ናይ ኣግኣዝያን እንታይ ኢዩ መበቆሉ ሃሰስ ንምባል ዝሕግዝ እነተኾይኑ ከኣ፡ እዘን ዝስዕባ ክልተ ትዕዝብቲ እስኪ ሓቢርና ነስተባህለለን።

ሀ) “የኤርትራ ኣውራጃዎች ጥንታዊ ሕጎች፡- በሓማሴን፡ ስርዓት ኣብስሉስ ገብረ ክርስቶስ፡ በሰራየ – ሕጊ ኣድከመ ምልጋ፡ በኣከለ ጉዛይ ፡- ምዔን መሓዛ-ኣድግና ገለባ፡ ተብለው የሚታወቁት ባህላዊ ሕጎች በኤርትራ የሚኖሩትን የክርስትያኑን ክፍል ከቀረው ኢትዮጵያ ጋር ኣስተሳስሮ የቆየውን ግኑኝነት ኣበክረው ያመለክታሉ።” [3, 76]

ለ) “እቶም ንኣና ዝወለዱ ለባማት ኣቦታትና ሕዝቢ ብዘይ መናበሪ ሕጊ ምንባር ዘይግባእ ስለዝኾነ ኣስተውዒሎም ስርዓት ምዔም-ምሓዛ ቢሎም ሰምዮም ሕጊ ኣቖሙ። (ምዔም-ምሓዛ ማለት ስም እቱ ስርዓት ዝቖመሉ ቦታ ኢዩ።) እዙ ሕግዙይ ብግዜ ክቡር ደጃዝማች ሱባጋድስ ቆመ። [11, 11]

ስለ’ዚ ብንጽጽር እንተ ተራእዩ፡ ህዝቢ ከበሳታት ኤርትራ፡ ብባህሊ (cultures) ብናይ ምምሕዳር ፖለቲካዊ መልክዕ (administrative or political traditions) ከምኡ’ውን ብናይ አኮኖሚ መሓውራት (economic structures) ምስ ኢትዮጵያ ዝመሳሰል ካብ ኮነ፡ ናይ ኣግኣዝያን መበቆል የራኽቦም’ባ ኔሩ’ዩ እንተ ተባህለ ዘስግእ ትርጉም ዝህልዎ ኣይመስለንን። ጎንደር ኬድኩም እንታይ ኣምጺእኩም’ኳ ዝበሃል ዝነበረ። ሕጂ’ውን ነዚ ህዝቢ’ዚ ካብ ስደትን ብርሰትን ዘናግፎ መፍትሒ ኣበ’ተኣላልያ ናይ’ቲ ጽኑዕ ናይ ባህልን ናይ ታሪኽን መሰረት ዘለዎ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት’ዩ ዘሎ፡ ንምባል’ዩ ጻዕርታት ዝቀላቐል ዘሎ። ከመይ’ሲ፡-

“ህዝቢ ትግራይ ትግሪኚ፡ ከም በዓል ምኒሊክ ዝበሉ ፀላእቲ እዮም ምእንቲ ረብሐኦም ኣብ ክልተ ከፊሎሞ እምበር፡ ሓደ ህዝቢ ኢዩ።….መዳሕንቱ ሓንቲ ስለዝኾነት ክበትኩዋ ኣይከኣሉን፡ ንሓዋሩ’ውን ኣይኽእሉን።” ይብሉ መምህር ገብረኪዳን ደስታ ኣብ ገጽ [145-147] እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ኣብ ዝብል መጽሓፎም።

ስለ’ዚ ክቡር ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ እዞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ደቂ ሰራየ ደቂ ሓማሴን ወይ ደቂ ኣከለጉዛይ፡ ኣብ ገዝኦም ምሕዳር ከም መንግስተ ሰማይ ርሒቑዎም ስለ ዘሎ፡ ንገለ ገለ ካብ ሞንጎኦም ኣግኣዝያን ዝብል፡ ጥበብ ምንብባር ናይ ሰብ ቀደም፡ ከም ኣፋፍኖት ናይ መንገዲ መስተርሆት መሲሉ እንተተራእዮም’ሞ ምሳሎም እንተ ተዛረቡ፡ ክሳብ ክንደይ ነገራት ተሓላሊኹዎም ከም ዘሎ ዝሕብር’ዩ ዝመስል’ምበር፡ ከይደቀሱ መኣስ ሓሊሞም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ በዓል ወልደኣብ ወልደማርያም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓጎስ ገብረሂወት … ዝመስሉ ቀየስቲ ሓሳባት ናይ’ዛ ኣንፈታ ጠፊእዋ ዘሎ ሓዳስ ኤርትራ በዚ’ባ’ዮም በሪቖም ማለቶም’ውን ከስምዕ ይኽእል’ዩ። ማለት’ሲ እዞም መራሕቲ እዚኣቶም፡ ኣጋዲሎም ኣጋዲሎም እንታይ ኣምጺኦም ዝብል ሚዛን ኣበርክቶኦም ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ አረ እንታይከ’ዩ ኔሩ መንቀልን መዕለብን ናይ ሓሳባቶም፡ ዝብል ሕቶ’ውን ከልዕል ይኽእል’ዩ።

ንስኹም’ውን መኣስ ትስሕትዎ ኾንኩም ኣቶ ህዳሰ። እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ብሓንቲ እዝንና ጥራይ ክሳብ ንሰምዕ ኣጎርኒዮም፡ ካብ እንዳ መዓለቦኦም ካብ ኢትዮጵያ ምርሓቕ’ሲ መንገዲ መስተርሆት’ዩ እናበሉ ዝመሃሩና ዝፈረዱናን ዘደናገሩናን ዘይኣኽለና። ሕጂ’ኮ ንማሕለኻ ናይ ሓሳባቶም በጢስና ብኽልቲኡ ኣእዛንና ክንሰምዕን ብኽልቲኡ ዓይንና ክንርእን ኢና ንፍትን ዘለና። ስለ’ዚ ዕዮ ገዛ በዚሑና፡ ምሰ’ባት ነብስና ሕሳብ ከይገበርና፡ ኣብ ስደትናን ፋሕ ጨንገራሕናን ምስ ዘሎ ሓዲሽ ዓለም ከይተመሳሰልና ምእንቲ ከይዓርበና’ሲ፡ በጃኹም ጽቡቕ ኣለኹም ገዲፍኩም ከመ’ለኹም በሉና። ምናልባት ሓደስቲ ሓሳባት ንምኹስኳስ እሂን ምሂን ንምብህሃል ጽቡቕ ፍቓድ እንተ’ልዩ ድማ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንዓድን ዓውድን ዘርብሕ መበሃሃሊ ዘይተሳእነ።

1.5) ኣተኣላልይ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ምብራዕ ኲናት ናይ ባድመ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ድማ ከም ኣጸዋውዓ ናይ ኣቶ ህዳሰ “ወያናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት” ዝተኸተላ ኣተኣላልያ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ናይ ዘውድን ደርግንስ ይትረፍ፡ ምስ ትሕዝቶ ውዕል ውጫለ’ውን ኣይትመሳሰልን’ያ፡ እንተበልኩ ተማሕጺነካ’ለኹ ዝብሉኒ ኣይመስለንን ኣቶ ህዳሰ። ምኽንያቱ፡ከም’ዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ኩነታት፡ ህዝብን ባህሉን ዘብርስ፡ ዓድን ዓውድን ዝበታትን ናይ ሓሳባት ድኽነት፡ ኣብ ግዜ ዘውድን ደርግን ኣይተራእየን። ካልእስ ይትረፍ እቶም ኣብ ክልቲኡ ስግር ሩባ መረብ ብዝነብሩ ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣዝዮም ዝምረሩ እንዳ ሃጸይ ምንሊክ’ኳ፡ ውዕል ውጫለ ምስ ጣልያን እንክፈራረሙ፡ ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ርስቱን ጉልቱን -ግእዙን መጻሕፍቱን- ናይ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ንወራሪ ጣልያን ሕራይ ኣቢሎም፡ ነቲ ናይ ባህሊ ሰንሰለት (values) ክሳብ ዝከኣሎም ክዕቅብዎ ጽዒሮም ኔሮም’ዩ ዝበሃል። ዘውድን ደርግን ድማ ካልእስ ይትረፍ እኽልን ነዳድን ብነፋሪት ኣመላሊሶም ንህዝቢ’ስመራ እንክቕልቡ’ኳ ክሳርኦም ዘይጸብጸቡ።

እንተ’ዚ ሕጂ ምስ ባእሲ ወያነን ሻዕብያን፡ ብፍላይ ኣበ’ተኣላልያ ዝምድና ህዝብታት ተዛረብቲ ትግርኛ ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ዝተጋህደ – መልሓሰይ ትቀንጠብ – ዝብል ናይ ሓሳባት ድኽነት ግን፡ ብቀይዲ በተኽ ቅዲ ኣመራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወይ ድማ ብውድቀት ኣመራርሓ ናይ ህግደፍ ወይ’ውን ባድመ ናይ መን’ያ ብዝብል ሕቶ ዝምኽነየሉ ኣይኮነን። ከመይ’ሲ ንመንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ሻዕብያን ወያነን፡ ህልኽ ኣንጻር ጸብለልትነት ናይ ኣምሓራ በረኻ ዘስፈሮ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ ሓባር ረቛሒኦም ኢዩ ኔሩ። ይኹን ደኣ’ምበር ክልቲኦም ሕሳቦም ንምፍጻም ምእንቲ ክሰልጦም፡ ትምክሕተኛ ኣምሓራ እናበሉ ከማርሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ በረኻ ሰፊሮም ንዓድን ዓውድን ጦቕ ከም ዘበሉ ሕጂ ኣብ ስደትና ብኽልቲኡ ኣእዛንና ክንሰምዕን ብኽልቲኡ ዓይንና ክንርእን ዕድል ምስ ረኸብና’ዩ ዝስወጠና ዘሎ። ምግናን ዘይብሉ። ወያነን ሻዕብያን ንትምክሕተኛ ኣምሓራ ስዒርናዮ ክብሉ ከበሮ እናደከሩ ክዕንድሩ፡ ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ፡ ሕማም ቀደሞም ሕማም ዝና ደጊሱዎም፡ ክልተ በራሓት ብመዘርገፍ ይበኣሱ፡ ዝተባህለሉ ኲናት ወሊዖም፡ ካልእስ ይትረፍ እቲ ፖለቲከኛታት እንዳ ሃጸይ ምንሊክ’ኳ መን’ፈልጥ ንሕማቕ መዓልቲ መሓለውታ ይኸውን ግዲ’ኸውን ብምባል ብማዕዶ ዝጠመትዎ ናይ ባህሊ ሰንሰለት -ግእዙን መጻሕፍቱን- ክበጣጥስዎ ዝከኣሎም ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን ዘለዉ እንተ ወሰኽኩሉ፡ ዘይናቶም ዝሃብኩዎም ኣይመስለንን።

ብንጽጽር እንክረአ እምበኣርከስ እዞም “ኣግኣዝያን” ዝብል ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣስፊሎም ዓድን ዓውድን ክብጽብጹ ይጓየዩ’ለዉ ዝበሃለሎም ሰባት/ሓሳባት፡ ነዞም ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ከመ’ዓልካ ጨኒቑዎም ዘሎ መነባብርቲ፡ ናብ ንቡር ክመልሶም ዝኽእል ናይ ሓባር ባህልን ታሪኽን ኣሎ ንምባል፡ ንትዕዝብቶም – ብቓላቶም – ምስ እዋን ከመሳስልዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ዜጋታት’ዮም ዝመስሉ፡ ከም ርኢቶይ። ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ፈናጢሕካ ሓዳስ ሃገር ምፍጣር’ዩ ዕላምኦም ዝብል ቄናን ትርጉም ዝህቦ፡ ሓዲሽ ሓሳባት ምኹስኳስ ዘርዕዶ፡ ብብረት ዝሓስብ ኣእምሮ ጥራይ ኢዩ። እዚ ጻዕሪ’ዚ ካልእስ ይትረፍ እቲ ለውጥን ዕርቅን ዘድልዮ ህጹጽ ኩነታት ኣበይ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ መፍትሒኡ ድማ ኣብ’ቲ ዕሽሽ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ ተዓብዒቡ ከይህሉ ሃሰስ ምባል የድሊ’ሎ ዝብል ትርጉም እንተ ተዋሂቡዎ፡ እቲ ጸገም ንተራ ናይ ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓድን ዝጽበ ዓይነታዊ መልክዕ ከምዘለዎ ዘግህድ’ዩ ዝመስል። እዚ ድማ ክፋል ፕላን-ሲ፡ ተባሂሉ ኣብ ልብን ኣብ ወረቐትን ክስራዕ እንተ ተፈቕደሉ፡ ንሰበ ስልጣን ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ሻዕብያን ኣማራጺ ኣፈታትሓ ናይ’ቲ ጸገም ካብ ምሕባር ሓሊፉ፡ ካብ ስራሕ ዘብኩሮም ኣይመስለንን። ክሳብ መኣስ’ዩ ወሰነ-ወሰን ክኽየድ ዝድለ ዘሎ ግን እንድዒ።

Photo - 1940 Asmara (Eritrea) - Abyssinian court of justice
Photo – 1940 Asmara (Eritrea) – Abyssinian court of justice

2) ኣውዲቕካ ምሕሳይ።

ሃገራት ከመይ ይስራዓ ወይ ድማ ህዝብታት ብሓንሳብ ጸኒሖም ከመይ ኢሎም ይፈላለዩ ብዘየገድስ “ወያናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት” “ትናንት ዛሬ ኣይደለም” ክብል እንከሎ ዝነበሮ ምስ ጠለባት ናይ እዋን ናይ ምትዕጽጻፍ ብቕዓት (self-reinvention) ዝድነቕ’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ መድረኽ ዝጸንሖ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ብስግኣት ቋሪኑ ድቃስ ዝኸልአ፡ ንገድሊ ኤርትራ ድማ ንሕና ፍሉያት ስለዝኾና ብዘይካና ሃገር ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም ዝመስል ናይ በረኻ ኣነነት ኣዕጢቑ ዘተዓሻሸወ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ናብ እንዳ ጎሓፍ ብምድርባዩ ዝድነቕ’ዩ። ብሓጺሩ’ሲ ናይ ወያነ ‘ኢዝም’ ንናይ ንሻዕብያ ‘ኢዝም’ ብሓሳባት’ውን ዝገደፈትላ የብላን። ዓዲ ክሳብ እትውዕል ሕንዝፍ ኣቢላታ ኢያ። ብድሕሪ’ዛ ፍጻመ እዚኣ ዝቐጸለት ፖለቲካ ናይ ኣውዲቕካ ምሕሳይ ግን ምሒር ነዊሓ’ሲ፡ ነቲ ናይ ዓወት ትርጉም ኣምሪራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ባህልን ተውርዶ ዘላ ናይ ዓወት ክሳራ ኣዝዩ ዘፍርሕ’ዩ።

2.1) ናይ ዓወት ክሳራ።

ስለ ዝኾነ ድማ ‘ዘይሓሰብካዮ ርኸብ፡ ኣይመርገም ኣይምርቓ፡ ከምዝበሃል ናይ’ዚ ዳሕረዋይ ኲናት ማለት’ሲ ኣውዲቕካ ምሕሳይ፡ ናይ ዓወት ክሳራ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ኩሉ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ። ከመይ’ሲ ብሸነኽ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝተራእየ ውጽኢቱ ብዙሕ ዘማትእ ኣይኮነን። ፈለስትን ታቦትን – ግእዝን መጻሕፍትን – ክሳብ ዝንቀሉ ዓድን ዓውድን’ዩ ዝፈናጥሕ ዘሎ። ብሸነኽ ኢትዮጵያ ድማ ተዓዊተ እናበልካ ኣብ ህልኽ ምንባር ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሑ፡ ንምእራሙ ዘጸግም ሓዲሽ ኩነታት ይዕድም ኣሎ’ሞ፡ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ሓሳባት የድሊ’ሎ እንተበልኩ፡ ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣይበዝሕንዶ? ኣፋኒናካ ኢና’ኮ።

ሕጂኸ እንታይ ክትደግም ደሊኻ ኢኻ ከመ’ዓልኩም ተብዝሕ ዘለኻ ዝብሉኒ ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ ናይ’ዚ ዓወት’ዚ ኣተኣላልያ ክሳብ ሕጂ ከም ዝጸንሖ ዝቕጽል እንተ ኾይኑ፡ ምምጥጣን ህዝብን ባህልን ገላቢጡ፡ ከቢድ ፈተና ዘስዕብ’ዩ ዝመስል ንሓዋሩ። ካብ’ዚ ስግኣት’ዚ እንተ ተነቒሉ’ሞ፡ ኣብ ዑናታት ናይ ኣግኣዝያን መዳሕንቲ ተቐቢሩ ከይህሉ ሃሰስ ምባል ንእዋን የርብሕ ይኸውን’ዩ ዝብሉ ሓሳባት ብልጭ ብልጭ እንተበሉ፡ ዘህርፍ ወይ ድማ ዘፍርሕ መኣስ ኮይኑ። ግደ ሓቂ ግን ካብ’ዚ ምስ እዋን ሳዕሪሩ ዘሎ ዝፍለ ኣማራጺ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል የድሊ ከም ዘሎ ዘመልክት’ዩ። ስለ’ዚ ባህልን ህዝብን ንምዕቃብ፡ ብዛዕባ ናይ ሻዕብያ ሽፍትነት ወይ ድማ ናይ ኣምሓራ ትምክሕተኛነት ዝጽብጽብ’ሞ፡ ንመዋእል ዝተወርዘየሉ መኻን ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንምቕያር ዘሎ ኣማራጺ ምስ ግዜ ምእንቲ ከይበንን፡ ካብ ኢትዮጵያ ኪነዉ’ዚ ሰፊኑ ዘሎ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝስጉም ሓዲሽ ሓሳባት የድሊ’ሎ።

2.2) ህዳሰ ግድብ።

“ወያናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት” ንሩባ ኣባይ ኣብ ህንጸት ሃገርን ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ዝጸምድ መደብ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ፡ ግብጻውያን ብኤርትራ ኣቢሎም ንኢትዮጵያ ዝብጽብጹሉ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንምብርዓን፡ ካብ ጻዕርታት ዘውድን ደርግን ዝተኸወለት (historical blind spot) ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል ምህንዳሱ ኣገናዕ ዝግብኦ ኢዩ። ብዘይ ምግናን እዚ ኣዝዩ ዝድነቕ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘስርጾ ናይ ለውጢ መጠን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ብአኮኖሚ ይኹን ብወተሃደራዊ ከምኡ’ውን ብዲፕሎማሲያዊ መለክዒታት ኣብ ታሪኽ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ሚዛን ሓይልታት ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገላብጥ’ዩ። ይመልኣዮ ጥራይ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝቐየሶ ናይ ምዕባለ ጉዕዞ ብናህሪ ምእንቲ ክቕጽል ጥራይ’ኳ፡ ንርብዒ ዘመን ዝተፈተነ ኣውዲቕካ ምሕሳይ ፍረ ክህብ ኣይተራእየን ብምባል፡

ካብ ህልኽ ምርሓቕ ናይ ዝተዓወቱ’ምበር ናይ ዝተሳዕሩ ምልክት መኣስ ኮይኑ። ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝበሃል ድማ ሕጂ’ውን ምስ ጠለባት ናይ እዋን ምትዕጽጻፍ ዝምረጽ እንተኾይኑ፡ ኣብ ልቢ ናይ ብዙሓት ዛጊት ዘይተራእየ ብርሃን ክውልዕ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብባህልን ብናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲን እንተ ተኣልዩ፡ ክሳብ ክንደይ ከድምዕ ከም ዝኽእል፡ ቅድሚ ምብራዕ ኲናት ናይ ባድመ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ ምዝካር ርጡብ ምስክር’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ ክሳብ ሕጂ ሰላም ኣስፊንና፡ ህዝብታት ኣቀራሪብና ኣለና። ንመጻኢ ድማ ኣርሒቕና ንርእዮ ዕላማ ኣለና ክሳብ ምባል ተበጺሑ ዝነበረ።

“People are policies.” ይብሉ ፈረንጂ።

2.3) ባድመ ናይ መን’ያ?

‘ወያናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት’ ባድመ ናይ መን ምዃና ኣብ ዘጻሪ ናይ ጀኦግራፊ ሕቶ ብዝመስል ናይ መሳቱ መዓብይቲ መማህርቲ ከምኡ’ውን ብስጋን ብመንፈስን ተዛመድቲ፡ ናይ ዝና ቅድድም፡ ወይ ድማ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ ዝመስል ኲናት ገጢሙ፡ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቱ ብወተሃደራዊ አኮኖምያዊ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ መዳይ ከም ዝተዓወተ ሰብን እዝግን መሰኻኽር እዮም። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ናይ ዓወቱ ውጽኢት ኣብ ኤርትራ ዝፈጠሮ ናይ መሪሕነት፡ ናይ ሃብቲ ይኹን ናይ ሓይሊ ክፍተት (vacuum) ኣብ ግምቱ ከየእተወ፡ ምስ’ቲ ዝሰዓሮ መጋጥምቱ፡ ኲናት ብዘይ ኲናት ኣዊጁ ንርብዒ ዘመን ኣብ ህልኽ ክቕጽል’ዩ መሪጹ። እዚ ምርጫ’ዚ ምናልባት ፍርሃትን ስግኣትን ንህዝቢ ይጥርንፍ’ዩ ተባሂሉ ክምኽነየሉ እንተ ዘይኮይኑ፡ እናሓደረ ዘግህዶ ዘሎ ናይ ዓወት ክሳራ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ከመይ’ሲ ኣብ መንጎ መናብርቲ ብዕንወት ዝግለጽ ናይ ዓወት ዓይነት ንርብዒ ዘመን ምንብድባድ ማለት ናይ ጎረቤት ህድሞ ብሓዊ እንክቃጸል ኣብ ዝባን ናሕሲ ናይ ገዛኻ ደይብካ ምስ ምዕዛብ ዝመሳሰል’ዩ ከም ርኢቶይ። ካልእስ ይትረፍ ከልብኻ’ኳ ገዛ ዓጺኻ ዘይትቕጥቅጦ።

ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ሕዱር ርኢቶኦም ዝመዓራረ ሓዲሽ ሓበሬታ እንተ ዘይነጺጎም፡ ድሮ’ኳ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኲናት ናይ ባድመ ዘመዝገቦ ዓወት ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ኣይሃበን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ናይ ኤርትራ ኩነታት ንናይ ኢትዮጵያ ጸጥታ ናብ ዘስግኣሉ ደረጃ ገጹ ይቀራረብ ኣሎ፡ ክሳብ ምባል ስግኣቶም ዘሰምዑ ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ናብ መድረኽ ይቕልቀሉ ኣለዉ። ስለ’ዚ ባድመ ናይ መን’ያ ዝብል ሕቶ እዋን ስለ ዝረስዓቶ፡ ሓዲሽ መዓልቲ ውዕሊካ ሓዲሽ ሓሳባት ሒዝካ’ዩ ገዛ ዝእቶ ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

2.4) ምፍራስ ናይ በርሊን መንደቕ።

ጸሓፋይ ኣግኣዝያን ንዝብልዎም ሰባት ወይ ድማ ሓሳባት ንህዝቢ ትግራይ ረብሓ ከም ዘይብሎም ብናይ ታሪኽ ኣብነት ንኸርትዑ፡ ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ዝተጋህደ ምትሕውዋስ ናይ ጀርመናውያን ናይ ድኻን ሃብታምን፡ ምሁሩርን ደንቆሮን፡ ምዕቡልን ድሑሩን ዘይምጥዕዓም ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ዝፈልጦ ኣለኒ’ሞ ጽን ኢልኩም ስምዑኒ ክሳብ ምባል ይመጣጠሩ።

ብዘይ ምግናን ግን ምፍራስ መንደቕ በርሊን’ሲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ’ዛ ዓለምና ካብ ዝተፈጸሙ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ቀየስቲ ፍጻሜታት ምስ’ቶም ቀዳሞት ዝስራዕ ኣብነት’ዩ። ካብ ክሳርኡ ረብሕኡ ከም ዝበዝሕ ድማ ዋሕሰ’ግብእ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣቶ ህዳሰ ዝብልዎ እንድዒ’ምበር ጀርመናውያን ካብ አውሮጳ ዝበዝሑን ዝሃብተሙን ኮይኖም ከም ዘለዉ ኩሉ ሰብ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። ኣፈራርሳ ናይ’ቲ መንደቕ ካብ ተላዕለ ግን፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ስለዝነበሮ፡ ከምኡ ዝመስል መስተንክር ክድገመሉ ዝኽእል ናይ ህዝብታት ዝምድና እንተ’ሎ ሃሰስ ምባል ኣይተረፈን። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ኮረያ ነገርከ እንታይ ኮን ክመስል’ዩ ዝብል ናይ እዋን ሻቕሎት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል’ዩ ዘሎ። ኣብ’ዛ ናይ ታሪኽ ኩርናዕ እዚኣ እቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣብ ደቡብ ኮረያ ዝርከቡ ሽማግለታት ምስ ደቂ ሰሜን ኮረያ ዝራኸቡሉ ጽቡቕ መዓልቲ ክመጽእ’ዩ እናበሉ ብተስፋ እንክጽበዩ፡ ኣብ ደቡብ ኮረያ ዘለዉ መንእሰያት ግን ካብ ሰሜን ኮረያ ዝመጽኡ መንእሰያት እንተ ተሓዊሶሞም ናይ ስራሕ ዕድል ክውሕደና’ዩ ብምባል ኣብ መኣዶም ምእንቲ ከይቃጸጽዎም ክርሕቁሎም’ዮም ዝምነዩ ዝብል ሚዛን’ዩ ዝስማዕ።

ኣብ ኣፍሪቃ ከምኡ ዝመስል ናይ ህዝብታት ዝምድና ሃሰስ ምባል ዝፍቀድ እንተኾይኑ ድማ ህሉው ኩነታት ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ዝደመቐ ኣብነት ኢዩ። ካብኡ ብምንቃል’ሞ፡ ምናልባት ካብ ተመኩሮ ናይ ጀርማናውያን ዝርከብ ኣብነት ሓቢርና ክንርኢ እንተ ተሰማሚዕና፡ ንምፍራስ ናይ’ቲ መንደቕ ናይ ኣተሓሳስባ ምቕያር ከም ዝቐደሞ ዘረጋግጽ ትምህርቲ ኣለዎ። ከመይ’ሉ ዝብል ሕቶ እንተ ተላዒሉ፡ ምዕራብ ጀርመናውያን ዝተኸተልዎ መምርሒ፡ ካብ ምብራቕ ጀርመን ዶብ ሰጊሩ መሬት ምዕራብ ጀርመን ንዝረገጸ ጀረመናዊ መወሳወሻ ወረቐት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘድልዮ መነባበሪ’ውን ብቕጽበት ይፈቕዱሉ ስለ ዝነበሩ፡

ብጽቡቕ ግብሮም ንልቢ ጸላእቶም ከይተረፈ’ዮም ካብ ርሑቕ ተቖጻጺሮም፡ ነቲ ውዲት ስዒሮሞ። “They declared that Germans, broadly defined, had rights of citizenship in the new state, which means as a practical matter that any German who could reach FRG soil had the right to a passport and social services almost immediately, rather than having to go through lengthy asylum or emigration application procedures.” [4, 6]

ከም ድፍረት ኣይቆጸረለይ’ምበር፡ ንህሉው ኩነታትና ምስ ናይ ጀርመንና ኮረያን ብምንጽጻር ክርእዮ እንተ ፈቲነ፡ “ዕንፅልፅል”? ዝብል ቃል ናይ ኣቶ ህዳሰ ዝገልጻ እንተ ዘይኮይኑ ናይ ጀርመን ወይ ድማ ናይ ኮረያ ክትመስል ትኽእል’ያ ዘብል ምልክት ኣይተህብን’ያ ከም ርኢቶይ።

ብርግጽ ግን በዓል ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዝሰብኩዎ ሓሳባት ናይ መጻኢ ዕድል፡ መንእሰያት ኢትዮጵያ ዝድገፍዎ ኣይመስለንን። እስኪ ነዚ ክብሎ ዝፍትን ዘለኹ ከተብርሃለይ እዛ ትስዕብ ኣብነት ክሕውሳ። ንመኣዲ ገለ ጎደል ዝግመታ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣዋልድ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ይራኸባ’ሞ፡ ብሓንሳብ ገዛ ተኻርየን ናይ ምሕዝነት ናብራ ይጅምራ። ሓደ መዓልቲ ሓዲአን ዝተወልደትሉ ዕለት እንከኽብራ፡ ኣብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝምህር ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ይዕድመኦ። ንሱ ድማ ናብ ገዝአን ከይዱ ምስአን – ብሩኽ ናይ ልደትኪ መዓልቲ ይግበረልኪ – ክብል ይሕወሰን’ሞ፡ በቲ ዝተዓዘቦ ኩነታት ተገሪሙ ‘ንሕና ዘይከኣልናዮ ደቅና ክኢሎሞ’ ክብል ትዕዝብቱ ኣካፊሉኒ።

ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ዝቕመጠሉ ከተማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ተመሃሮ፡ እቶም ኣብ ዕላል ንመሳሰል ኣቦታት፡ ወይ’ውን ብሓፈሻኡ ተቓወምቲ ዝብሉና፡ ገለ ጀብሃ ገለ ሻዕብያ …. ዝነበሩ፡ ገለ ገለ ድማ ከም’ዚ ከማይ ኣይ ምስ’ቲ ኣይ ምስ’ዚ ተረፍ ተረፍ ምስጓግ፡ ነዞም ተመሃሮ ናይ መመረቕታ መዓልቶም፡ ኣብ ሓደ ኣደራሽ ብሓባር ከነኽብረሎም እሂን ምሂን ክንበሃሃል እንከለና፡ ጓሉ ንሓደ ዓርክና፡ ናይ መማህርታ ስም ጸዊዓ እከለ ጓል ቤት ትምህርተይ (ኢትዮጵያዊት)፡ ምሳኹም ሓቢርና ክንገብር ነ’ቦኺ’ባ ሕተትዮ ኢላትኒ ብምባል ዘይተጸበናዮ ሓሳብ ተቕርበልና። ንሕና ድማ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ፡ ይኹን ሕራይ ንብል’ሞ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክንመያየጥ ብቖጸራ ንራኸብ። እቲ ኣገባብ ብሃንደበት ዝተበገሰ ስለዝነበረ፡ ምስ በዓል መን ከምዝእከቡ ከይፈለጡ፡ ተጸዊዖም ዝመጽኡ ይበዝሑ ኔሮም። በብሓደ ሰብ ክእከብ እንከሎ ግን ሓደ ኢትዮጵያዊ ንኻልእ ኢትዮጵያዊ ምስ ረኣየ ብድድ ኢሉ ገዲፉና ወጽአ። ሽዑ ኣነ ኣርክብ ኣቢለ ደሓን ዲኻ በልኩዎ። ንሱ ድማ ምስ በዓል እከለ (ኢትዮጵያዊ) ክንገብሮ እንተኾይኑ ዝሕሰብ ዘሎ’ሲ ኣይደልይን’የ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣንታ ሓውና፡ ንሕና’ውን ነዚ ትብሎ ዘለኻ ዝመስል ሕማም ኣለና። ይኹን ደኣ’ምበር ናብ’ዛ ኣኼባ’ዚኣ ከም ንራኸብ ዝገበሩና ደቅና እዮም። ኣነ ንስኻን ስለ ዝሓሰብናዮ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ምእንቲ ደቅኻ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዓቚርካ ምሳና ወድኣዮ። ኣይደልን’የ በሃላይ እንተኾንካ ግን ምሉቕ ኢልካ ኪደልና። በልኩዎ’ሞ፡ ሰንቢዱ ተመሊሱ ምሳና ተጸምበረ። እቲ ጉዳይ’ውን ብጽቡቕ ሓለፈ። ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብ መንጎና፡ ንደቀይ ክሳብ ክንደይ ከም ዝበደልኩዎም ሕጂ ተረዲኡኒ፡ ክሳብ ምባል ነቲ ዝሓለፈ ውራይ ኣድንቖቱ ገለጸ። ስለ’ዚ ድማ ኢየ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ሓዲሽ ሓሳባት የድሊ’ሎ ክሳብ ምባል ዝጣራዕ ዘለኹ።

2.5) ዋ! ዋ! እታ ፈለማ ዝበልኩዋ’ኳ ዘይረሳዕኩዋ!

ክቡር ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ወልደኣብ ወልደማርያም ኢሳያስ ኣፈወርቂ …. ዝመስሉ መራሕትና ናብ’ዚ ዘለናዮ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከም ዘብጽሑና መኣስ ስሒትኩሞ። እዞም መራሕትና ብትግራይ’ውን ከምዝውለዱ ኩላትና ንፍልጦ ታሪኽ ኢዩ። ይኹን ደኣ’ምበር ካብ እንዳ መዓለ’ቦኦም ዝሰነቕዋ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ – ሸዋ ዝገብሩና – ትብል ናይ ቂምታ ስንቂ ኢያ። እዚኣቶም ቂምታ ስለ ዝነበረ ስንቆም፡ ካብ ኣምሓራ/ካብ ኢትዮጵያ ምእንቲ ክርሕቁ’ሲ መዓልቦ ናብ ዘይተቐረበሉ ናይ ሕልሚ መድረኽ ጨውዮም ስለ ዝወሰዱና፡ እነሆ ኣብ ገዛናን ኣብ ኢትዮጵያን ምሕዳር ተኸልኪልና ፋሕ ብትን ንብል ኣለና።

ኣብ ረፈረንደም’ኮ መሪጽኩም ኢኹም ክትብሉና’ውን ሓቅኹም ኢኹም፡ መሪጽና ኢና። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብታይ’ሲ ጸጊበን ካብ ዝዕንድራ፡ ዝዕንድራ ርእየን ዝዕንድራ ይበዝሓ፡ ከም ዝበሃል፡ እቶም ብቐለም ዘይኮነስ ብደም ዝተጻሕፈ ምሕዝነት ኣለና ዝብሉ ዝነበሩ ወያነን ሻዕብያን ሓቢሮም ከበሮ ክድክሩ ምስ ረአና ኢና ዝሳዕሳዕና’ምበር ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዲአን ምረጹ ዝብል ናይ ምርጫ ዓይነት ዘይተቐረበልና። ምናልባት ምስ’ቶም ዓበይቲ መራሕቲ ዝስራዕ እንተኾይኑ መሪሕነትኩም፡ ሕርሕራይ ጌርኩም ከም ዝቐሸሽኩሙና ረሲዕኩምዋ ዲኹም? ደሓር ከኣ ትሕዝትኡ ብዘየገድስ እዚ ሕጂ ዓሰርተ ግዜ ክንጀባረር ዝስማዕ ረፈንደም ዝብል ቃል ከመይ ኢሉ ከም ዝተኻየደ ቀለሙ’ኳ ዘይነቐጸ። ምናልባት መዘኻኸር ዘድሊ እንተ ኾይኑ ግን፡ ወዮ ቀደም ንሓሳባት ናይ እንግሊዝ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ’ዩ ዝመስል እማመኻ ዝበለ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም፡ ዋ! ዋ! ካልኣይ ግዜስ ኣይጋገን’ባ! ንምባል ዝደለ ክሳብ ዝመስል፡ ፈለማ ንረፈረንደም ዝኸውን ደገፍ ብኤርትራ ምስ ተሓተተ፡ ደር! ደር! ሰዓቱ ኣይኮነን። ኣይትተሃወኹ ደኣ ከም ዝበለ’ዩ ዝንገር። ካብኡ ብምቕጻል ብኻልኣይቲ ደብዳቤ፡ በሉ ሕራይ ሓገዝኩም ይትረፈና። ረፈረንደምና ባዕልና ቀልጢፍና ከነፈጽሞ ስለ ዝተበገስና ግን ተዓዘብቲ ለኣኹልና፡ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ’ውን እምቢ ኢዩ ዝደገመ።

2.6) ንሻዕብያ ዝተዋህበት ዓባይ ጉንዖ።

ዝርሳዕ መኣስ ኮይኑ ኣቶ ህዳሰ፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ናይ ኤርትራ ረፈንደም ተዓዘብቱ ክልእኽ ሕራይ ዝበለ’ኮ፡ ካብ’ቲ ንስኹም “ወያናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት” ብዝብል መጸውዒ ስም ናብ ንባብ እተቕርብዎ ናይ ትማሊ መላፍንቲ ናይ ሎሚ መባእስቲ ሻዕብያ፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ረፈንደም ኢድኩም እንተሓወስኩም ቅር ኣይብለናን’ዩ ዝብል ናይ ባዕሉ ምርጫ፡ ቡስጣ መሊኡ ምስ ለኣኸ ኢዩ። ስለ’ዚ እዛ ምርጫ እዚኣ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ቅድሚ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተመዝገበት ናይ ምርጫ ዓይነት ኢያ። ካብ ሱር መሰረታ ድማ ነቲ ካብ መበቆሉ ጸረ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ ዝበልኩሞ ሻዕብያ ዝተዋህበት ጉንዖ ኢያ።

እወ፡ ከም’ቲ ዝበልኩሞ ሻዕብያ ካብ መበቆሉ ጸረ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ ትብል ገላጺት ሚዛንኩም እሞ ሓዙለይ። ኣነ’ውን ሓቅኹም ኢኹም ዝብል ሚዛነይ ክምልኣኩም። ከመይ’ሲ ካብኡ ዝሓይሽ ትሕዝቶ ከም ዘይብሉ ተግባሩ’ዩ ምስክሩ። እቲ ዝገርም’ኮ፡ ነዚ ጸረ ህዝቢ’ዚ ምስ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዓለም ተዋሲኡ፡ መደቡ ከፈጽም ዋሕስ ዝኾኖ ወያናይ ዴሞክራስይዊ ስርዓት ምዃኑ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ኣበሃህላ ዋሕስን ምስክርነትን ናይ ኢትዮጵያ ብጽሑፍ ምስ ተቐበለ ኢዩ ውድብ ሃገራት ናይ ዓለም፡ ባርነትን ናጽነትን ንዝብል ናይ ምርጫ ሕቶ ብጎቦ ዓይኑ ክዕዘብ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ኣእጋሩ ናብ ኣስመራ ዘእተወ።

ካልእስ ይትረፍ እዛ ሕቶ ንመጻሕፍቲ ናይ ታሪኽ ምእንቲ ክትበቅዕ’ሲ ቁሩብ ኣመሓይሽዋ’ኳ ዘይበለ። ብዘይምግናን እምበኣርከስ እዛ ኩላትና ንፈልጣ ናይ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምርጫ ኣብ መዝገብ ምስ ሰፈረት’ዩ፡ ባርነትን ናጽነትን’ምበር ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይተወዳድር ናይ ረፈረንደም ወረቐት ናብ መድረኽ ዝቐረበት። ስለ’ዚ ኣብ ምርቃቕ ናይ’ታ ሕቶ’ቲኣ ካብ’ቶም ኤርትራውያን ኣብ ረፈረንደም’ኮ መሪጾም’ዮም እትብልዎም ሓፋሽ! ንላዕሊ ወያነን ሻዕብያን እዮም ክዝከሩ/ክምስገኑ/ክምረሩ ዝግባእ። ከመይ’ሲ ህዝቢ መጓሰ ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይብልን ኣነ።

2.7) “ህዝብታት ኤርትራ ኣብ እዋን ረፈረንደም ምስ ኢትዮጵያ ጉርብትና እምበር ሓድነት ማለትስ ባርነት ኢያ ኢሎም ደምዲሞም”

ስለ’ዚ ክቡር ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ “ህዝብታት ኤርትራ ኣብ እዋን ረፈረንደም ምስ ኢትዮጵያ ጉርብትና እምበር ሓድነት ማለትስ ባርነት ኢያ ኢሎም ደምዲሞም” ንትብል ኣበሃህላኹም ደጊምኩም ከተንብቡለይ፡ ነዛ ጽሕፍትኹም ሒዘ ሰንበት ንግሆ ናብ ደገ ሰላም ክትሳጉሙ እንከለኹም ኣብ መንገድኹም ጸኒሐ፡ እስኪ ኣብ’ዛ ኢደይ ጥቕዑ እንተዝብለኩም፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት! ከምኡኸ ኢለ ድየ ወደይ፡ ንሰብ’ባ ኣይትንገር በጃኻ ትብሉኒ’ዩ ዝመስለኒ። ከመይ’ሲ ኣብ ኣመሪካን አውሮጳን ምናልባት’ውን ኣብ ገለ ገለ ምዕቡላት ሃገራት እንድዒ’ምበር፡ ከም’ዚ ናትና ዝመስል ብብረት ኣብ ዝሓስብ ናይ ፖለቲካ መድርኽ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ተቓሊሶም ክዋደቑ ዕድል ኣይወሃቦምን’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብብረት ዝሓስብ ስርዓት ኣብ ስልጣን ኮይኑ ኣብ ዘዋድዶ ናይ ምርጫ ዓይነት ምስታፍ ከም መለክዒ ዝጽብጸብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ረፈረንደም ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ኣብ ምርጫታት ናይ “ወያናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት’ውን” ምሳኹም ሪጋ ሒዝና ንውዕል ሰባት ከም ዝነበርና ዝረሳዕኩሞ ኣይመስለንን። ወይስ ብዛዕባ’ታ ተረሓሕቐና እትብልዋ ናይ ምርጫ ዓይነት ጥራይ ምትንታን’ዩ ምርጫኹም?

3.ብዓባያን ብኽብርታን ንዘለኣለም ትንበር።

ክቡር ኣቶ ህዳሰ፡ መን ይፈልጥ፡ መንገዲ ለውጥን ዕርቅን ምእንቲ ክጥጥሓልና’ሲ፡ እቶም ብሓባር ንፈልጦም ዘውድን ደርግን፡ ሻዕብያን ወያነን ዝብሉ ኣስማት፡ ብዛዕባ – ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ – በብእዋኖም ከም ዝበረቑ ናይ ሓሳባት ዓይነት ንምርኣይ ክሓተኩም’ሞ ኣፍቅዱለይ። እወ፡ ንግዜኡ ሕራይስ’ኪ ቀጽል ክትብሉኒ ተስፋ ክገብር’የ። ተስፋይ ተመርኲሰ ድማ፡ ካብ’ዞም ዝተጸብጸቡ ሓሳባት፡ ብንጽጽር ምስ እዋን ክተዓጻጸፍ ዓቕምን ዕድልን ኣለዎ ክበሃለሉ ዝኽእል በዓል እዋን፡ እቲ ንስኹም “ወያናይ ዲሞክራሲ እምነትናን ሃይማኖትናን” እትብሉዎ ናይ ሓሳባት ዓይነት ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ይመስል “ኣብ ኢትዮጵያ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምህላዉ፡ ንኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዓብዪ ዕድል ኢዩ” ክሳብ ምባል ዝበጻሕኩም’ሞ፡ ገጽኩም ምልስ ኣቢልኩም ብዛዕባ’ቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ፈተና እንታይ ከም ዝመስል ክትጥይቑና ተስፋ ክገብር’የ፡ እንተ በልኩ እንታይ’ሞ ከፊኡካ፡ ትብሉኒ ኣይመስለንን። ኣብ እዋንኩም ህዝብን ባህልን ይበርስ ስለ ዘሎ።

ምግናን ዘይብሉ! ኣብ ደምበኹም ዝእከብ ዘሎ ናይ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ናእሽቱ ምስ ዓበይቲ … ዓለም ምስ ፈለስቲ ብኽያትን ንብዓትን፡ ዘፍስሶ ዘሎ ሓሳባት ቀሊል ምስክር ከምዘይኮነ ትጠራጠሩ ኣይብልን ኣነ። እወ፡ ከም’ቲ ዝበልኩሞ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምህላዉ ንኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዓብዪ ዕድል እንተኾይኑ፡ እዚ ተስፋናን መጻኢ ዕድልናን ከነማዕድወሉ እትዕድሙና ዘለኹም ስርዓት፡ ብመዳፍዕን ወተሃደራትን ዝረቅቕ ለውጢ ካብ ምሕላም ተበራቢሩ፡ ምስ ሓሳባት ናይ’ዚ ኣብ ደምበኹም ዝእከብ ዘሎ ህዝቢ ክስጉም ጽቡቕ ፍቓዱ ኣብ ዘግሃደሉ መዓልቲ፡ ነቲ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘስግእ’ዩ ብምባል ናብ ኣንበብቲ ናይ ጽሑፍኩም ከተቕርብዎ ዝፈተንኩም “ውዲት??” ናይ ኣግኣዝያን ይኹን ናይ ሻዕብያን ኣዕራብን ምሕዝነት፡ ውሕዥ መረብ ንሓላሉ ክጸራርጎ ኢዩ።

ብዓይንኹም ትርእይዎ ከም ዘለኹም፡ እዚ ስደተኛ ህዝቢ’ዚ መብዛሕትኡ ትግርኛ’ዩ ዝዛረብ። ብባህሊ ይኹን ብቛንቋ ሕቡእ ምስጢር የብሉን። ደወል እንተ ተደዊሉ ምስ ህዝቡ ምስ ህዝቢ ዓድታት ናይ’ቲ ከባቢ ተኣኪቡ ካብ ብትግርኛ ብዝያዳ – ብግእዝ – እዝግዮ ዝብል እንዳእሉ። ስለ’ዚ ከም’ዚ ዝመስል ተመሳሳልነት ዘለዎ ህዝቢ፡ ብስጋን ብመንፈስን ካብ ዝገርፎ ስርዓት ኣምሊጡ፡ ሰኪሑን ባህሪሩን፡ ሩባ ጥራይ ዘይኮነስ ፈንጅን ቦምብን ተሳጊሩ፡ ተለዊጡን ለውጢ ደልዩን ናብ’ቲ ይብጽሓኒ ኢዩ ዝብሎ ህዝብን ባህልን እንተመጽአስ ስደተኛ ተባሂሉ ኣብ ካምፕ ምእካቡ፡ እንታይ ዓይነት ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ? ካብኡ ዝሓይሽ ኣማራጺ ተሳኢኒ ድዩ?

ከም ርኢቶይን ትጽቢተይን ናይ ከም’ዚ ዝመስል ህዝቢ ሓሳባት ምእንጋድ ናብ ሰላምን ምዕባለን’ምበር ናብ ስግኣትን ምጥርጣርን ኣይወስድን’ዩ። ህዝብታት ኣቀራሪቡ ጎደና ለውጥን ዕርቅን ዝጸርግ ንሱ ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብ’ቲ ብግእዝ ዝዝረበሉ መድረኽ ምስ ተኣከቡ “ሕድግ ለነ ኣበሳነ ከመ ንሕነኒ ንህድግ ለዘኣበሰ ለነ” ዝብል ጸሎት ብሓባር ስለ ዝደግሙ፡ መልእኽቶም ከመሓላልፉ ንዝደልዩ መራሕቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ ዝፈጥረሎም።

ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትኳቦ ክቕለቡ ኣብ መዓቑቦ ስደተኛታት ተሓጺሮም ተስፋ ካብ ዝቖርጹ’ሲ፡ ሰሪሖም ምእንቲ ክነብሩ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተመሳሲሎም ምእንቲ ክነብሩ፡ ክሳብ ጎንደርን ሸዋን …. ወለጋን ከፋን … ኣሩሲን ሓረርን … እንተ ተፈቕደሎም ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ልዕሊ ረብሓ ናይ ኢትዮጵያውያን ክሳራ ዝህልዎ ኣይመስለንን። ምናልባት ብዘይካ ትግራይ ካልኦት ክልላት፡ ስደተኛታት ናይ ኤርትራ ኣይንቕበልን ኢና ስለ ዝበላ’ዩ ዝበሃል’ውን ኣይመስለንን። ብሓጺሩ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ካምፕ ምዕቋብ’ሲ ኣብ ሱዳን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ተኻይዱ፡ ሕጂ ድማ ናብ ከንያ ኡጋንዳ ደበብ ሱዳን …. ክሳብ ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪቃን ተባጺሑ’ሎ። እቲ ዝገርም ካብ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ገለ ገሊአን ንዝዓለቡ ኤርትራውያን ዝፍቀደሎም ናይ ናብራ ዓይነት ምስ ናይ’ቶም ዜጋታት ዝምጥን’ኳ እንተኾነ፡ ባህልን ህዝብን ካብ ምብራስ ግን ኣይከላኸልን’ዩ።

3.1) ምስናፍ’ኳ ኣይተሰነፍናን ኣላሽ ግን ንብል ኣለና።

ሓቂ’ሞ ንዛረብ ኣቶ ህዳሰ፡ ባድመ ናይ መን’ያ ዝብል ሕቶ መኣስ ኮይኑ መልሲ ስኢኑ ዘሎ። ኲናት ናይ ባድመ ተወሊዑ ምዕራፍ ሓደ … ክልተ ክብል እነክሎ’ሲ USAID ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኸስተ ድርቂ ዝኸውን እኽሊ ረድኤት ብዓሰብ ንምሕላፍ ኣምሲሉ ኩነታት ናብ ሰላም ገጹ ዘድህበሉ ምኽንያት ክፈጥር ፈቲኑ ኔሩ። ፈተንኡ ድማ ልኡኹ ናብ ኣስመራ ሰዲዱ ከም ዝጀመሮ ትርስዕዎ ኣይብልን ኣነ። እቲ ሽዑ ዝተንጸባረቐ ፍልልይ ሕጂ ንምዝካሩ ዝኣክል፡ ካብ ኣስመራ ዝተሰምዐ መልሲ፡ “ገለል ኣሉ እንጂ ኣልሸሹም” ዝብል ምስላ ናይ ኣምሓርኛ ዘዘኻኽር’ዩ። በቲ ናይ ሽዑ ኣበሃህላ ንምዝካሩ ዝኣክል ግን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጥሜት ክመውት ስለ ዘይንደሊ እቲ እኽሊ ረድኤት ብዓሰብ እንተ ሓለፈ ኣይንቃወምን ኢና ዝመስል ቀለም ዝተቐብአ ኮይኑ፡ ምስናፍ’ኳ ኣይተሰንፍናን፡ ኣላሽ ግን ንብል ኣለና ዝመስል’ዩ ኔሩ።

ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መልሲ ግን፡ እቲ ዝተባህለ ናይ ረድኤት እኽሊ ብዓሰብ እንተሓሊፉ ሻዕብያ ክንድ’ዚ ሚልዮን ዶላር ክረኽቡ እዮም። ከምኡ ዝመስል ረብሓ ምእንቲ ከይረኽቡ እንዳ ሻዕብያ እቲ ረድኤት ወላ ካብ ሞምባሳ ብነፈርቲ ከነመላልሶ ኢና’ምበር ብዓሰብ ክኣቱ ኣይንፈቕደሉን ኢና ዝመስል ኣውዲቕካ ምሕሳይ ኢዩ ኔሩ።

3.2) ኣብ ጉራዕ የራኽበና!

ትናንት ዛሬ ኣይደለም ዝብል ዘረባ ወያነ’ሞ ዘክሩለይ ክቡር ኣቶ ህዳሰ፡ ሎሚ’ሲ ታንክታት፡ ነፈርቲ ኲናት፡ ከምኡ’ውን መራኽብ ውግእ ናይ ደቂ ስግር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ወደባት ናይ ኤርትራ ሰፊረን ኣለዋ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘንጸላሉ ዝመስል ዘሎ ደመና ጣቋ የብሉን። ከመይ’ሲ ድሕሪ ወራራት ናይ ቱርኪን ጥልያንን… ፍሉይ ባህልን ብሉጽ ዕጥቅን ዘለዎም ደቂ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ናይ ኤርትራ ወደባት ብወግዒ ዘሳፍሑ ዘለዉ፡ ሕጂ እዮም፡ ዝብል ወረ እንተ ተነግረ። መንገዲ ቐደምና ይግበረልና ጥራይ’ምበር፡ ኣብ ጉራዕ የራኽበና ዝብል ናይ ሰብ ቀደም ዝና፡ ወይ ድማ ናይ የመን ጉዳይ ምስ ሃድአ ከም ዝወጽኡ ኣረጋጊጾሙልና እዮም ዝብል መጣጥሒ ስልጣን ዘመኽንየሉ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ ከም’ዚ ዝመስል ክስተት ኣብ ዓድን ዓውድን እናተጋህደ እንከሎ፡ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ብዝመስል ምኽንያት ምስ ተባህለ ናይ ኣግኣዝያን ምቁርቛስ፡ “ኣህያውን ፈርቶ ዳውላውን” ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር’ዩ፡ እንተ በልኩ፡ ክላ ሱቕ በል! ንስኻስ ምስ ኣምሓርኛ ዝነበረካ ፍቕሪ’ባ ኣይወዳእካን ትብሉኒ ኣይመስለንን።

ረሲዕኮሞ ዲኹም? መስቀል ሒዞም ዝመጽኡ ኣባ ማስያስ’ኳ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ናይ ደንካልያ ንእሽቶ መሬት ገዚኦም ዘናኸሱዋ ቁልዒ ዓድን ዓውድን ዘቃጸለት። ሕጂ ድማ ግዜን ዓቕምን ኣለኩም’ሞ፡ ምስ እዋን ተመሳሰሉ። ብናይ ሻዕባያ ሽፍትነት ወይ ድማ ብናይ ኣምሓራ ትምክሕተኛነት ምውርዛይ ንርእስኻ ምትዕሽሻው’ዩ (complacency) ዝመስል። ካልእስ ይትረፍ ፕረሲደንት ኢሳያስ’ኳ ናብ ደብሪ እንዳ መዓለ’ቦኦም ዝኣትዉሉ ዕድመ ይቀራረብ ስለ ዘሎ፡ ጋዶ ካብ ምባል ብማዕዶ (distant managers) ኣብ ውሽጡ ኣቲና መሰልና ምሕላው ነግህዶ ምባል፡ ናይ ዓወት’ምበር ናይ ስዕረት ምልክት ኣይመስለንን ንኣይ። ብሓጺሩ’ሲ ብዓሰብ ክትሓልፉ ምስ እዋን እንተ ተዓጻጺፍኩም፡ ኣብኡ ሱር ምስ ዝሰድድ ዘሎ ለውጢ ብምውሳእኩም ንኢትዮጵያ ኢኹም ዘኽበርኩም።…. ብዓባያን ብኽብርታን ንዘለኣለም ትንበር። ምናልባት ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ እንተኸፈትኩም ድማ ድርብ ስረ’ዩ ዘዕጥቐኩም።

3.3) “ብዛዕባ ውህደት ደቅና ይሕሰቡሉ።”

ክቡር ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኹሉ ብዛዕባ ሓሳባት ናይ ኣግኣዝያን ከተማርሩ ውዒልኩም’ሲ ኣብ መወዳእታ “ብዛዕባ ውህደት ደቅና ይሕሰቡሉ” ዶበልኩም። እዚኣ ደኣ፡ ሓደ-ሓደ ዝባኑ ዝቐልዐ ናይ ቃላት ኣሰዃኹዓ ግልፍ ግልፍ ኣቢልካስ ምስ ትሕዝቶ ናይ’ቲ – ውዲት ኣግኣዝያን – እትብልዎ ሓሳባት ተቀራርበኩም’ያ ትመስል። ካብ በልኩም ግን፡ “ብዛዕባ ውህደት ደቅና ይሕሰቡሉ” ክሳብ ምባል ዘብጽሓኩም ሓሳባት’ሲ እንታይ ኢዩ?

ዝኾነ ኾይኑ ብዛዕባ ውህደት ምብህሃል ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡ ንሓሳባትኩም ምስ’ቲ ሓሳባት – ውዲት ናይ ኣግኣዝያን – እትብልዎ እተመሳስሎ ካልኣይቲ ነጥቢ ክውስኸልኩም፡ “እነሆ ናብ ናይ ቀደም ናይ ስልጣነን ምዕባለን ቦታና ንምምላስ ኣብ ስሉጥ ጉዕዞ ንርከብ።” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ ኣብ ወረቐትኩም። ክቡር ኣቶ ህዳሰ፡ ምዕባለ ኣብ ታሪኽ ብድሕሪት ድዩ ብቕድሚት ዝርከብ ዝብል ክርክር ኣይኮነን ዘዛርበኒ ዘሎ። እቲ ናይ ኣግኣዝያን ሓሳባት’ውን ኣብ ናይ ቀደም ታሪኽ’ዩ ዘሎ’ሞ፡ ከም ኣበሃህላኹም ናብ ናይ ቀደም ገጹ እንተኾይኑ ናይ ምዕባለ ጉዕዞና’ሲ፡ ኣግኣዝያን ዝብል ሓሳባት’ውን፡ ንእግረ መንገድና ከጋጥመና ይኽእል’ዩ’ሞ፡ ብእዋኑ ኣንፈት ናይ ጉዕዞና ኣብ ምምራጽ ስረ ዘዕጥቐና ሓዲሽ ሓሳባት የድሊ’ሎ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ዝኾነ ኾይኑ ግን ምዕባለና ብድሕሬና ዘይኮነስ ብቕድሜና ኢዩ ዘሎ። … ዘይረአናዮ ይፍጠረልና’ኳ ዝበሃል። ወይስ ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ እትፈልጦ ሸይጣን ዝመስል ምርጫ’ዩ ወቓሕ ዝብለኩም።

ክቡር ኣቶ ህዳሰ፡ በብቑሩብ እንዳ በርሀ ይመጽእ ከም ዘሎ፡ ናይ ስልጣን ህርፋኖም ምእንቲ ከርውዩ፡ መራሕትናን መማህራናን፡ ንሕናን ንሳቶምን ክሳብ ንብል …. ፈላልዮም …. ኣሜን ምሰ’በሉና፡ በለስና በሊዖም ዓፍትዮም፡ ናይ ሸዋ ጮማ መዥሪጦም ከሲዖም፡ ዝብል ናይ መናብርትኻ ኩላሶ ዝፈቅድ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንዕድመይን ንዕድመኹምን እንታይዶ ገዲፉሉ’ዩ። ኣሕሪርዎ’ኮ ኢዩ። ሕጂ ድማ፡ በ’ገላልጻ ናይ ሓደ ሓውና፡ ብልዒ ኣይተብዝሕ ከይትሓምም ዝበሃለሉ ክፋል ናይ ዓለምና ከም ዘሎ ስደትና እናመስከረ፡ ጠስምናን መዓርናን ከነስተማቕር ግደፉና ወሲኽኩሙሉ።

ንሱ ከይኣክል ድማ ብዛዕባ ውህደት ደቅና ይሕሰቡሉ ብምባል ሕመቕይን ሕመቕኩምን ዝመልኦ ናይ ታሪኽ ለቖታ ናብ ዝባን ናይ ደቅና ንጽዓኖ ክሳብ ምባል ተመጣጢርኩም። ክቡር ኣቶ ህዳሰ ደቅኹም እንድዒ’ምበር ደቀይ’ሲ ኢትዮጵያ ንምባል ነታ ‘ጵ’ ‘ፕ’ ክሳብ ምባል’ዮም ኣብ ናይ ስደት ባህሊ ዝጥሕሉ ዘለዉ። እዚ ለውጢ’ዚ ናተይ ሕመቕን ክሳራን ጥራይ ዘይኮነ’ሲ መግለጺ ናትኩም ሕመቕን ክሳራን’ውን ኢዩ። ስለ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ህዝብን ባህልን ዕንወት ንምህዳእ ዓቕምን ግዜን ምስ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ወያነ’ሎ እንተ በልኩ ቅር ዝብለኩም ኣይመስለንን።

ምናልባት፡ ብዛዕባ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘስግእ ኩነታት ዝረኣየኩም እንተ ኾይኑ ግን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ወይ ድማ ኣብ ኣስራኤል … ተዓቚቦም፡ ተረፍ ናፍቖቶም፡ ኣግኣዝያን ዝብል ሓሳባት ካብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ከንብቡ ዝፍትኑ ዘለዉ ሰባት ዝተዛረብዎ ዘረባ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ንሕና ክንነብረሉ ዘይከኣልና፡ ወያነን ሻዕብያን ብሜላ ክጥቀሙሉ ዘይከኣሉ ዓሰብን ባጽዕን’ሲ ናይ ጽባሕ እንድዒ’ምበር ንሕጂ’ሲ ወተሃደራት ናይ ጎረባብቲ ሃገራት የስተናግድ ኣሎ፡ ይበሃል ኣሎ። ምናልባት ኣዕራብ ከይብለኩም ንሳቶም ደኣ ናይ ትምክሕተኛ ኣምሓራ ጸላእቲ እንዳኣሎም ከይትብሉኒ ስለ ዝተጠራጠርኩ ኢየ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ክብል ዝመረጽኩ።

3.4) “ህዝቢ ኤርትራ ዝሕሾ ስለዝመረፀ፡ ንሕና ምርጭኡ ክነኽብረሉ ኢዩ ዝደሊ፡

ዝመስል መማቕርቲ ኣለዎ ናይ ኣቶ ህዳሰ ትንታነ። ስለ’ዚ ድማ ኢየ ደሓንዶ’ለኹም ዘይኮነ’ሲ ኤርትራውያን ጽቡቕ ኣለኹም ምባል ዝቐልሎም’ዮም ዝመስሉ ክሳብ ምባል ዝደፈርኩ። ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ክሳብ ክንድ’ዚ ዲና ብቛንቋን በ’ተረጓጉማ ናይ ታሪኽን ተረሓሒቕና? ኣቶ ህዳሰ ክህበኩምዶ ወረ። ኣነ’ሲ ኣብ ኢትዮጵያ እነብር ኔረ። ሽሕ’ኳ ምርጫይ ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር እንተ ነበረ፡ ከም ዓለመይ መሰለይ ተገፊፈ ተባሪረ። እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠመኒ ኩነታት ድማ፡ ምናልባት ዕድመ እንተ ሂቡና ፈጣሪ፡ ጽቡቕ ኣለኹም ገዲፍኩም ደሓንዶ’ለኹም ምባል ምስ ጀመርኩም ከውግዓኩም ተስፋ ክገብር’የ። ንግዜኡ ኣብ ስደት ኮይነ፡ ብሓሳበይ ስቕል ኣውርድ ከብሎ እንከለኹ ንትንታነኹም፡ ሽዑ’ውን ትኣምኑኒ ኣይመስለንን። ናይ ምርጫ ነገር ካብ ተላዕለ ግን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝተገብረ – ወረ – ሰሚዕና፡ ትምህርቲ ምእንቲ ክኾነና፡ ብዛዕብኡ እናዕለልና፡ ናብ ምርጫ ገጽና ክሳብ ንስጉም ብዛዕባ ዝብላዕ ዛዕባ እንተ ተመያየጥና ይሕሸና። ብርግጽ ግን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝደሊ ክምህለል እንከሎ፡ ጽን ኢሉ ዝሰምዖ ኣላዪ’ምበር፡ እንታይ ከም ዝደሊ ዝፈልጠሉ ጠንቋሊ ሃሰስ ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን።

3.5) ትምክሕቲ።

እዛ ሚዛን ኣበሃህላ’ዚኣ ምስ ፖለቲካዊ መልክዕ ናይ ሻዕብያን ናይ ኣምሓራን (ሸዋ) ክትዝከር እንከላ ኣዝያ ትደምቕ ትኹን’ምበር ንብዙሓት ትትንክፍ’ያ። “.. ዘመኑን የመረመሩ ወይንም በዘመኑ የኖሩ ባለሙያዎች እንደሚነግሩን በቆዳቸው ቀለም የሚታበዩ፡ በጥንታዊ ታሪካቸው የሚኮሩ፡ በጸረ ቅኝ ገዢ ትግላቸው የሚመኩ ኢትዮጵያውያን ለኣፍሪካ ይባል ለጥቅሉ ጥቁር ህዝብ ባላቸው “ኣጉል ግምት” ይታወቃሉ። ራሳቸውን እንደ ኣፍሪካዊ ለመቁጠር ይቸገራሉ። ንጽጽራቸውም ሰርክ ከኣመሪካና ከኣውሮፓ ጋር ነው። (ግሪንፊልድ፡ 319፣ ባሕሩ 2010፡ 13) [5, 57] ስለ’ዚ’ሲ፡ ዝመልኽ ከም ድላዩ ይጭርሕ ክበሃል እንተዘይኮይኑ ዝድለ ዘሎ፡ ብዛዕባ ትምክሕቲ ኣይንሕሾ ኣይንሓምቆ’ዩ ታሪኽ ዝብል ዘሎ። ብርግጽ ግን ብሰሜን ትምክሕቲ ሻዕብያ ብደቡብ ድማ ትምክሕቲ መሳፍንቲ ኣምሓራ ዝዘርእዎ ጉርዲ-ምርዲ ምህላዉ ዘየካትዕ እንተኾይኑ፡ ኣብ መንጎ-መንጎ ንኡድ ናይ ምብህሃል ጥበብ ኣሎ ክበሃል እንተኾይኑ ዝድለ ዘሎ፡ ሃየ’ባ ንለውጥን ዕርቅን ንጠቐመሉ፡ ምባል ማለት ዘይዓውድኻ ምቁማት ዘስምዕ ኣይመስለንን።

3.6) ጸላኢ።

ኣቶ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ሻዕባያ’ሲ ንመንግስትን ንህዝቢ ኣምሓራን ብዘይፍልልይ “ጸላኢ” ከም ዝብሎም ይዝክሩ። ሓቂ ድማ ኢዩ። ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ኣበሃህላ’ዚ ምስ ሻዕብያ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። ወያነ’ውን ክሳብ ሕጂ ካብኡ ዝሓይሽ ኣበሃህላ ኣየማዕበሉን። ካብ ተላዕለ ግን፡ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ መበቆሉ፡ ሃጸይ ዮውሃንስ ምስ ሞቱ፡ ሃጸይ ምንሊክ ስልጣንን ዝናን ካብ ኣኽሱም ናብ ሸዋ ምስ ኣግዓዝወን፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣንጻር ጸብለልትነት ናይ ኣምሓራ ዝሕንሕን ሓሳባት ጥጡሕ ባይታ ከም ዝተነጽፈሉ ብየማንን ብጸጋምን’ዩ ዝንገር። ካልእስ ይጽናሕ፡ ርሑቕ ከይተኸደ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጻሕፉ እዋናውያን መጻሕፍቲ ትግርኛ ነዚ ዝምባለ’ዚ ብንጹር’ዮም ዘንጸባርቕዎ። ኣብነት ንምጥቃስ፡-

1. የትግራይ ህዝብና የትምክሕተኞች ሴራ – 1998

2. እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ – 2005

3. ቀዳማይ ወያነ – 2005

ዝጽብጽብዎ ኣበሃህላ እኹል ትሩፍ ኢዩ። እዚ ጸላኢ ክብል ድቃስ ስኢኑ ድቃስ ዝኸልእ ናይ ቂምታ ፖለቲካ፡ ብዛዕባ ኣነቓቕልኡን ጥልቀቱን ንተመራመርቲ ናይ ታሪኽ ዝግደፍ ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብ መንጎ መሳፍንቲ ናይ ተዛረብቲ ኣምሓራኛን መሳፍንቲ ናይ ተዛረብቲ ትግሪኛን ንመዋእል ሱር ዝሰደደ ናይ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ ህልኽ ከም ዝነበረን ዘሎን ዘካትዕ የብሉን። እዚ ህልኽ’ዚ ናብ ህዝቢ ክወርድ እንከሎ ግን፡ ብዛዕባ ፍልልይ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ናይ ኢትዮጵያ ዝምህር ናይ ስልጣን መጣጥሒ ሜላ ይጉልበብ’ዩ። ምቅዋምን ኲናትን ድማ የስዕብ።

ዝኾነ ኾይኑ ብፍላይ ሃጸይ ምንሊክ፡ ስልጣንን ዝናን ካብ ትግራይ ናብ ሸዋ ብምግዓዞም ጥራይ ዘይኮነ፡ መረብ ምላሽ ንጥልያን ሂቦም፡ ንህዝብታት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ክልተ ዝመቕሎም ናይ ምርሕሓቕ ባህሊ ሱር ዝሰደደሉ ነቓዕ ብምፍጣሮም ይጥቀሱ’ሞ፡ ድሕሪ ዓወት ናይ ዓድዋ፡ ንዓወቶም መሰረት ብምግባር ክሳብ ኣስመራ ዘይምቕጻሎም፡ ከም ጓና ጥራይ ዘይኮነስ ከም ጸላኢ ተቖጺሮም ብጽኑዕ ይምረሩን ይውቀሱን። ካብ’ዚ መረረ’ዚ ብምብጋስ ብዝመስል ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ጥልያንን ፖለቲከኛታት እንዳ ሃጸይ ምንሊክ ዝገማምዕዎ፡ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ፡ ለውጥን ዕርቅን ኣስፊንካ ንምቅርራቡ በብዓየነቱ ጻዕርታት ከም ዝተፈተነ’ዩ ዝንገር። ካብ’ዞም ጻዕርታት እዚኣቶም፡ ክንዲ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ናይ ሻዕብያን ወያነን ዝኣክል ድሙቕ ስምብራት ኣብ ታሪኽ ዝገደፈ ጻዕሪ ግን ዛጊት ኣይተመዝገበን። ሕጂ’ውን ኣግኣዝያን ዝብሉ ሓሳባት ብልጭ ብልጭ እንተበሉ ንኣይ ኣይገርመንን። ከመይ’ሲ ሽሕ’ኳ መልክዑ እንተ ቐየረ፡ እቲ ጸገም ሕጂ’ውን ናይ እዋን ኣድህቦ ይደሊ ከም ዘሎ ዝእምት ኣበሃህላ ስለ ዝመስል።

ከምኡ’ውን ትግራይ ትግሪኚ ዝብል ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ኣብ ትግራይ ብወግዒ ምንቅስቓስ ክጥዕሞ ስለ ዘይከኣለ …. ክሳብ ምፍራስ ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ’ዩ ምስ’ቲ ኣብኡ ዝነበረ ኩነታት ብጋህዲ ክዋሰብ ተፈቲኑ ኔሩ። ብሸነኽ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ናይ’ዛ ምንቅስቓስ – ትግራይ ትግሪኚ – ብድምቀት ዝዝከሩ ወደ’ስመራ ድማ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም እዮም። ኣቶ ወልደኣብ ምስ ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ተድላ ባይሩ ክሳብ መበቆል ዝትንክፍ ህልኽ ኣስፊሎም ምስላጥ ምስ ኣበዮም፡ ምስ’ቶም ብተድላ ተሳዒሮም ካብ ስራሕ መንግስቲ ዝተኸልከሉ ኣብርሃ ተሰማ ተላፈኑ’ሞ፡ ልፍንቶም- ትግራይ ትግሪኚ – ንዝብል ሓሳባት ምስ ኣከለ ጉዛይ ዝተኣሳሰር መልክዕ ኣትሓዞ። ኣብ’ዚ ጻዕሪ’ዚ እቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ ናይ ወልደኣብን ኣብርሃ ተሰማን ልፍንቲ፡ ኣብ መስርሕ ምግስጋስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገደደ ሕልኽላኽን ምምቕቓልን ክፈጥር’ምበር ሓዲሽ ሓሳባት ምሂሩ ከድምዕ ኣይከኣለን። ካብኡ ኣቶ ወልደኣብ፡ ኣንጻር ጸብለልትነት ናይ ኣምሓራ ዝነበሮም ህልኽ ንምቕጻል፡ ክሳብ ካይሮ ተሳፊሮም፡ ካብ ኣምሓራ ንምርሓቕ’ሲ፡ ምስ’ቲ ካብ ክርስትና ምርሓቕ ቀዳማይ ዕላማ ዝነበሮ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ ዝላፈን ሓሳባት ኣብ ምንጻፍ ተዋፊሮም።

ስለ’ዚ እቲ ነ’ምሓራ ከም ጸላኢ ዝሰርዕ ናይ ሓሳባት ታሪኽ ካብ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዝያዳ ይደምቕ። ሕጂ’ውን ነቲ ከምኡ ዝመስል ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ሓሳባት፡ ዋናታቱ፡ ብኢትዮጵያውነትን ብኣኽሱማዊ ስልጣነን ዝምክሑ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ከምኡ’ውን ኣቦሓጎታቶም ናይ ራእሲ ኣሉላ ወተሃደራት ኮይኖም መረብ ዝተሳገሩ ደቂ ፖለቲከኛታት እንዳ ሃጸይ ዮውሃንስ፡ ከም በዓል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን የማነ ጃማይካን …. ዝመስሉ፡ ደቀ’ስመራ ኢና ብምባል ዝምክሑ ከዋኽብቲ እዮም ዋናታቱ።

እወ፡ እቲ ዝገርም እቲ ፍልልይ ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ምቕጻሉ ኢዩ። ብሕዳር 2016 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ኔረ’ሲ… ምስ ሓደ መማህርተይ (ካብ ትግራይ) ኣማስያና ንፕያሳ ኬድና፡ ራያ ቢራ ዘይሕዙ ባራት ኣጋጢሞሙና። ………… ኣቶ ህዳሰ ግን “ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሓዉ ዝኾነ 90 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፂሎም ተቓሊሱ ዘረጋገጾ ዓዎታቱ ብእግሩ ክረግጾም ይሰብኩዎ ኣለዉ።” ክሳብ ምባል፡ ኣግኣዝያን ንዝብል መንቀሊ ሓሳባት የማርርዎ። ከም ርኢቶይ ሕውነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘማትእ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣብ ምህንዳስ ናይ ምንብባር ጥበብ መንግስታት ዝምስገኑሉን ዝንቀፉሉን ምምሕዳር ኣመዝጊቦም ክሓልፉ ባህርያዊ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ኣብ እዋን ዴሞክራስያዊ ወያናይ ስርዓት፡ ካበ’ተኣላልያ ዝምድና ትግርኛ ተዛረብቲ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ኣትሒዝካ ክሳብ ዝምድና ፖለቲካ ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝምዝገብ ዘሎ ኣተኣላልያ ክውደስ ጥራይ ዘይኮነ ክህደስ ዝግብኦም ብዙሕ ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ከም ዘይስሕቶ፡ ኣምሓርኛን ትግርኛን ደቂ ግእዝ እዮም። ብዘይ ምግናን ድማ ናይ ክልቲኦም ስምምዕ፡ ውግእ፡ ውድድር፡ ህልኽ፡ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ … ኣብ ምኹስኳስ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዘበርከቶ ግደ መወዳድርቲ የብሉን።

ብንጽጽር እንክረአ ብፍላይ ኣብ’ዛ እዋን ዝረአ ዘሎ ምግምማት ኣምሓርኛን ትግርኛን ኣብ ዕዳጋ ናይ ቢራ ከየተረፈ እናተንጸባረቐ፡ “ንህዝቢ ትግራይ ካብ 90 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንጽሎ..” ዝፍትን ውዲት ናይ ኣግኣዝያን ወይ ድማ ናይ ሻዕብያ ይረኣየኒ’ሎ ክበሃል እንተ ኾይኑ ዝፍተን ዘሎ፡ ካብ ሓቂ ክትሕብኡ ብምፍታንኩም፡ ካብ ህዳሰ ናብ ውዳሰ እንተ ተቐየረ ናይ ብርዒ ስምኩም፡ ክሰማማዕ ይኽእል’ዩ ምስ ትሕዝቶ ናይ ጽሑፍኩም።

መደምደምታ

ኣብ መወዳእታ ከይተንከፍኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ኢያ። ደቂ ሰባት ዝበሉ ይበሉ፡ ክርስትናን እስልምናን ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ መናብርትን መወዳድርትን ከም ዝኾኑ ዘማትእ ኣይመስለንን። ክልቲኦም መንገዲ ጽድቂ እዚ ኢዩ ክብሉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ሓሳባትን ናይ ብረትን ምርጻም ኣሕሊፎም፡ ገና’ውን ነንሰዓብቶም ኣእሚኖም ኣብ ሙሉእ ዓለም ብዝጀመርዎ ይቕጽሉ ኣለዉ። ማዕረ ማዕረኦም ከኣ ብመንገዲ ጽድቂ ዝወራዘ ናይ ፖለቲካ ተበላጽነት በብዓይነቱ ሕብሪ ተቐቢኡ ንእዝኒ ሰዓብቱ ባህ ዝብል ኣበሃህላ ናብ እዋን ከቕርብ ልሙድ ኢዩ። እዚ ድማ ንኽልቲኦም ሓበርቲ መንገዲ ጽድቂ ከምዘይሕድሶም ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ምናልባት እንተ ብገርሆም እንተ ብጉርሖም ዘዝሰምዕዎ ተባህለ ምድጋም ዝመርጹ እንተ ተቐልቀሉ ከኣ ገለ ገሊኡስ ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣግዝያን ዝብሉ ሓሳባት ንተዛረብቲ ቋንቋታት ደቂ ግእዝ፡ ብባህልን ቋንቋን ናይ ሓባር ረቛሒ ከም ዝነብሮም ዘዘኻኽር’ዩ’ምበር፡ ሕጂ ግእዝ ከም ቋንቋ ኣብ ደብርታትን ቤተክርስትያናትን ብምጥቕላሉ፡ ጥማዕ ቅዱስ መጽሓፍ ኣይገብሮን’ዩ።

ካልእስ ይትረፍ፡ ልዕሊ ኩለን ቋንቋታት ደቂ ግእዝ ናብ መበቆሉ ዝቐረበ ተመሳሳልነት ዘለዎ ቋንቋ ትግረ ኢዩ ዝብል ሚዛን’ውን ይስማዕ ኢዩ። ተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ድማ ዳርጋ ኩላቶም ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና እዮም። ስለ’ዚ ኣግኣዝያን ዝብል መንቀሊ ናይ ሓሳባት ዓለማዊ ኢዩ። ሃይማኖታዊ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ’ምበር ምስ ዝናን ምዕባለን ኣኽሱማዊ ንግስነት ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ተኣሳሲሩ ንዝተወሰኑ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናይ ዕለታዊ ሂወቶም ድሙቕ ስምብራቱ ገዲፉ ኢዩ ካብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሃዲሙ ከም ባሕታዊ ናይ ደብርታትን ገዳማትን መኒኑ ዝረአ ዘሎ። ስለ ዝኾነ ድማ ሻዕብያን ወያነን ኣብ ናይ ቂምታ ፖለቲካ ካብ ደሪቖም ህዝብታት ካብ ኣረሓሓቑ፡ ህዝብታት ንምቅርራብ ኣማራጺ ሓሳባት ከርቅቑ ዝፍትኑ ሰባት ኣግኣዝያን እንተበሉ ዘፍርሕ ኣይመስለንን። ምስ ባእሲ ውያነን ሻዕብያን ብቛንቋን ብምብህሃልን ክፍታሕ ዝኽእል ጸገም ከም ዘሎ ድማ ኣግኣዝያን ጥራይ ኣይኮኑን ዝብልዎ ዘለዉ። “The mission reported back to the Security Council that it found the differences between the two sides, “while real, were relatively small and manageable and could be resolved by intensive negotiations over time.” [10, 42]

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ “ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት” ብአኮኖምሚ ብትራንስፖርት ከምኡ’ውን ብትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስሪጹዎ ዘሎ ናይ ለውጢ መጠን ኣዝዩ ዝድነቕ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ብገለ ገለ ተንተንቲ “ልማታዊ መንግስት” ዝብል ቅጽል ዝወሃቦ። ይኹን ደኣ’ምበር ማዕረ ማዕረ ምስ’ዚ ዝድነቕ ለውጢ ዝረአ’ሞ፡ ብከም’ዚ ኣቶ ህዳሰ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ትንታን ዝንጸባረቕ ብናይ ትማሊ ዓወትን ፖሊሲን ምድዕዓስ (complacency) ከስዕቦ ዝኽእል ናይ ዓወት ክሳራ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ ናይ ትማሊ ዓወታት ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ምስ ዝበርቕ ጠለባት ናይ እዋን ዝመጣጠን ሓዲሽ ሓሳባት ኣየውሕስን’ዩ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

——

References:

1. I Didn’t Do it For You – Michela Wrong 2005

2. Understanding Eritrea – Martin Plat 2016

3. የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንስኤና መፍትሔ – ዶ/ር ደጃዝማች ዘውዴ ገብረስላሴ 2007 (ግእዝ)

4. The Collapse – The Accidental Opening of The Berlin Wall – Mary Elise Sarotte 2014

5. መልክኣ ስብሓት-ስብሓት ገብረእግዚኣብሔር ብሰላሳ ፀሓፊያን ገጣምያንና ሰዓሊያን እይታ – ኣላማየሁ ገላጋይ 2005 (ግእዝ)

6. እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ – መምህር ገብረኪዳን ደስታ 2005 ግእዝ

7. ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ – ዶ/ር ኣብርሃ ጳውሎስ 2010

8. የኢትዮጵያ ታሪክ – ኣባ ጋስፓሪኒ

9. ቀዳማይ ወያነ – የማነ ገብረመስቀል 2005 (ግእዝ)

10. The Horn Of Africa: Mass Expulsion And The Nationality Issue (June 1998 – April 2002)

11. ሕግን ስርዓትን ናይ መሬት ዓደቦ ብዘርኣ-ያዕቆብ እስጢፋኖስ፡ ወልደማርያም ኣብርሃም። ኢንዥ ገሪማ

ገብረመስቀል ተጠርነፈ።

12. Shaping A People’s Destiny: The Story Of Eritrea And The United Nations. Published by the United Nations Department of Public Information.

*********

Guest Author

more recommended stories