ኣብ 40ታት፡ ኤርትራ ንምንታይ ናጽነት ዘይተዋህባ?

(Yoel Alem)

ምስዚ ሕቶ ተተሓሒዞም ዝቀርቡ ክልተ ሓሳባት ኣለው፦

(1) “ኤርትራ፡ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጽነታ ክወሃባ እንዳ ተገብአ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከም ትቁረን ጌሩ”.. ዝብል ልሙድ ኣዘራርባ ኣሎ።

(2) “ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ‘ኳ እንተ ነበረ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ብፈደረሽን ክም ትቁረን ጌሩ” ዝብል ዘረባ ‘ውን ኣሎ።

ሓቅነቶም ግን ማዕረ ክንዳይ እዩ?

ነቲ ቀዳማይ ሕቶ ክንምልስ እንተ ኾይንና፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኩነታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ኔሩ ኢልካ ምግምጋም የድሊ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዓርባዕት ሃገራት ጥራይ፡ ካብ ባዕዲ መግዛእቲ ኤውሮጳ፡ ናጻ ኔረን። (1) ላይበርያ (2)ደቡብ ኣፍሪቃ (3) ግብጺ (4) ኢትዮጵያ።

ላይበርያ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣሜሪካ ዝነበረት ኮይና፡ ካብ ጊላነት ናጻ ንክኾኑ ዝተፈቅደሎም ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዘቆምዋ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ሪፓብሊክ እያ። ኣሜሪካ ኣብ 1864 ከም ናጻ ሃገር ፈሊጣታ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ 1931 ናጻ ወጽያ። ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ “ኣፍሪካነርስ” ኢሎም ንነብሶም ዝገልጹ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጻ ንኽትወጽእ ልዑል ተራ ነበሮም።

ድሕሪ ናጽነት ግን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ጨካን ዓሌታዊ መግዛእቲ ኣፓርታይድ ወዲቃ። ናጽነት ንጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጻሉን። ካብ ሓደ መግዛእቲ፡ ናብ ዝያዳ ህልም ዝበለ መግዛእቲ ጥራይ እዩ ተሰጋጊሩ።

ግብጺ ኣብ 1922 ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጻ ወጽያ። ኢትዮጵያ ድማ፡ እዛ ንፈልጣ ኢትዮጵያ እያ።

እቲ ኻልእ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ህልም ዝበለ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ነበረ። ኤርትራ ‘ውን ከምኡ።

ጣልያን፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ተሳዕረ ግን፡ ግዝኣት ጣልያን እንታይ ይኹና ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ግዝኣት ጣልያን፡ ንሶማል፡ ኤርትራን፡ ሊብያን የጠቃልል።

ኣብዚ እዋን ‘ዚ፡ ግዝኣታት ኣፍሪቃ ብመልክዕ ኤሮጳዊ መግዛእታዊ ዶባት ናጻ ይኹና ዝብል international instrument ወይ ሕጊ ወይ ውዕል ኣይነበረን። ክነብር ‘ውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ክወጻስ ይትረፍ፡ ብዓቢኡ ኣፍሪቃውያን ናጻ ክወጹ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ‘ውን ህቡብ ኣይነበረን። ዘይሕሰብ ነገር ‘ዩ ኔሩ።

ኾይኑ ድማ፡ ጉዳይ ኤርትራ፡ ሊብያን ሶማልን፡ ኣብ ህልም ዝበለ ገልታዕታዕን ስሓቦ ጉቶቶን ሓያላን ይኽኑ ሕቡራት ሃገራት ንኽወድቅ ተገዲዱ። ፋሕ ዝበለ ውጽኢቱ ‘ውን፡ ገዛኢ ሕጊ ወይ instrument ዝተሓረሞ ከም ዝነበረ ምስክሩ እዩ።

ሊብያ ኣብ ሰለስተ (ፌዛን፣ ትሪፑሊን ሳራናይካን) ክትክፈል እያ እንዳ ተባህለ፡ ብሰንኪ ዘይምርድዳ ናይቶም ኣብ ሊብያ ረብሓ ዝነበሮም ሃገራት፡ ዘይትሓስበ ሕብርትን ናጻን ሃገር ኮይና።

ሶማል፡ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ገዛኢታ ጣልያን ከም ትወድቅ ኮነ። ኤርትራ ‘ ድማ ብፈደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ።

ግዝኣታት ኣፍሪቃ፡ ብመሰረት ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ዶባት ናጻ ክወጻ ኣለወን ዝብል ሓሳብ፡ ኣብቲ እዋን ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ጋሕማጥ መስርሕ ኣፈታትሓ ጉዳይ በዓል ኤርትራ፣ ሶማልን ሊብያን ተሞክሮ ምስ ተጠርየ፡ ኣብ መወዳእታ 50ታት ዝተቀልቀለ ሓሳብ እዩ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ድማ ኣብ 1963 ብወግዒ ተቀቢልዎን ኣጽዲቅዎን።

እምበኣርከስ፡ ሕቡራት ሃገራት ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ናጽነት ክውስን ኔርዎ ዝብል ሓስብ ቁቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ይኹን ሶማል ዋላ ‘ውን ሊብያ፡ ብቀጥታ ናጽነት ንኽውስን ዘፍቅድ ሕጋዊ ስልጣን ስለ ዘይነበሮ።

እቲ ኻልኣይ ነጥቢ፡ “ፈደረሽን ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነበረ” ዝብል እዩ።፡ እዚ ቁኑዕ ዘረባ እዩ። ፈደረሽን ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኔሩ። ግን ድሌት “ኩሉ” ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ኣይነበረን። በንጻሩ ‘ኳ ደኣ፡ ሕብረት (ኣንድነት) እዩ እቲ ዝበዝሕ ዝነበረ። ወግዓውን ዘይወግዓውን ጸብጻባት ናይቲ እዋን፡ ነዚ ሓቂ ‘ዚ የስምሩሉ። (ስእሊ ርአ)

Image – Eritrea wants union with Ethiopia 1952

ብዛዕባ ቀጽሪ ናጽነት ክዝረብ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ዝሓየለ ጎኑ ኣልራቢጣ ነበረ። እቶም ካልኦት፡ በዓል LLP ናይ ራእሲ ተሰማን ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ከምኡ ‘ውን Pro-Italia ደቀቅቲ ነበሩ።

ሓያል ጎድኒ ቀጽሪ ናጽነት፡ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ወይ መታሕት ነበረ። ኣብ ዝተረፈ ክፋል ሕብረተሰብና ግን፡ ሕብረት ኣብዝሓ ነበሮ። “ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኔሩ” ዝብል ሓረግ እምበኣር፡ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ።

ስለዚ፡ ብመሰረት ድሌት ህዝብን፡ ኣብዝሓን ዲሞክራስን ክውሰድ እንተ ኾይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ፈደረሽን ዘይኮነ፡ ሕብረት እዩ ክውስን ኔሩዎ። ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ እንተ ኾይኑ ድማ፡ ውጥን በቪን-ሲፎርዛ ዝያዳ ይምረጽ። ንምዕራባዊ ቆላ ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ኤርትራ ምፍላይ ማለት እዩ።

ንኤርትራ ናብ ክልተ ምፍላይ ግን፡ ብኹሉ ሸነኽ፡ ብሸነኽ ኣቦታት ሕብረት ይኹን ኣልራቢጣ፡ ዝቅበልዎ ኣይነበሩን። ኣትሪሮም ዝቃወምዎ ጉዳይ ነበረ።

ስለዚ፡ ድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት እንተ ዝውሰድ ‘ሲ፡ ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ከመይ ክኸውን ኔርዎ? ብመሰረት ኣብዝሓን ዲሞክራስን፡ ሕብረት ‘ዶ ይኹን? ወይ ፍትሓዊ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል? ዋላስ ከም ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ዝኣመሰሉ ማእከላይ ውሳኔ?

**************

Guest Author: Guest Author

View Comments (6)

  • ዘይንፈልጦ ታሪኽ ኤርትራ እንተሎ ንገሩና ኣረድኡና። ቅድሚ ጣልያን ኤርትራ እትበሃል ሃገር ኣይነበረትን። ሚኒሊክ ንመሳፍንቲ ትግራይ ከዳኽም፣ ስልጣኑ ከደላድልን ሓገዝ ካብ ጣልያን ክረክብን ኢሉ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ንመረብ ምላሽ ሂብዎ። ሰራየን ኣከለ ጉዛይን እኳ ድኣ ድሕሪ 20 ዓመት እቲ ስምምዕ እየን ካብ ትግራይ/ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ እተጸንበራ። እቲ ዶብ በዘየግድስ፣ ታሪኽ ከምዝነግረና ቅድሚ ሚኒሊኽ ዝነበሩ ዮውሃንስን ቴዎድሮስን ንርእሶም ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ ኢሎም ይጽውዑ ነይሮም። ኢትዮጵያ ጣልያን ዝፈጠራ እያ ዝበሃል ናይ ኢሳያስ ጽውጽዋይ መርትዖ ዘይብሉ ናይ ውልቁ ረብሓ መካየዲ ንሱ ምህናጽ ሓዳሽ ሃገር ዝብሎ እዩ። ሃገር ክትሃንጽ ሃሶት ኣየድልን እዩ።

  • ሰብ ክጽሕፍ መሰል ኣለዎ፡ ሓሳቡ ክገልጽ፡ ዝስምዖ፡ዝተረድኦ ከካፍል ገበን የብሉን። ሓውና ድማ ምፍታኑ ሰናይ እዩ። እቲ ዘፍርሕ ከምሓቂ ጌሮም ዝወስድዎ ሰባት ከይህልዉ እዩ። ኤርትራውያን ዝጽሓፍዎ፡ ሓሶት፡ ናይ ሕቡራት ሃገርት፡ ልኡኻት ባህልናን ቋንቋን ሓስብናን ዘርድኡ ዝጽሓፍዎ ሓቂ ብምውሳድ መውከሲኡ ዝገብር፡ ጌና ካብ ባርነት ዘይወጸ ርእሱ ዘይኣምን ወይ ኢንጌራ ጓና ብንፋቅን ሃረር ብምባል ዝደኸመ፡ ወይድማ ዕሱብነት ዝተለማመደ መንነቱን ሱሩ ዓለም ዘዛረበ ታርኽ ዝሰርሐ ሙዃኑ ዝረሰዐ ክኸውን ኣለዉ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ጣልያን ሓደ ነይረን ኢሉ ዝኣምን ብገዛእቲ ምዕረባውያንን፡ ኣብዘይታሪኾም ተሪኽና እናበሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ባርይኦም ክገብሩ ኣስማቶም እናቀየሩ ንኢትዮጵያ ዝገዝኡ ዝነበሩ ሃጸያት ዝተበረዘ ርእሱ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ ቅድሚ ምጽሓፍካ ኣስፍሕ ኣቢልካ ምንባብን፡ ጸዕዳ ዝጽሕፎ ዶግማ ዘይልወጥ ሓቂ ገቢርካ ዘይምውሳድ፡ እኳድኣ ብሓሶን ተኮልን ዝተለበጠ ሙዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ኢትዮጵያ ዝብል ስም ብመነሊክ ድሕሪ ኤርትራ ዝተዋህባ ሓዳስ ሃገር ሙዃና ታሪኽ መርምር፡ እሞ ዝተበከለ ርእስኻ ሕጸቦ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ከም ኢትዮጵያ ዝቆመት የውሃን ኣብትግራይ ብሱዳናውያን ምስ ተቀትለ፡ ኦሮሞ ነገስታቶም ምስተዳኸሙ፡ መነሊክ ብሓገዝ ጣልያን ኣጽዋር ብምርካቡ ኣብ ዓድዋ ብደገፍ ናይ ባሕታ ሓጎስ ወተሃደራት ዝተመርሐ ውግእ ብምዕዋቱን ዝረኸቦ ዕድል፡ ኻብ ሽዋ ወጺኡ ነዛ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ ዝብል ስም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዋሳድ ኣጠመቃ። ንባዕሉ እውን ተቀባልነት ክረክ መነሊክ ብማል ስሙ ቀየረ። ንምሕጻር ክተንብቦም ዝግብኣካን ክትእክቦም ዝግብኣካን ታሪኽ ስለዘሎ፡ ኣንብብን መርምርን። ኤርትራዊ ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ዝሓተሉ ኣብ ታሪኽ ኣይነበርን ኣይክህሉን፡ እንትርፎ እቶም ዉሑዳት፡ ብሱዳናውያን ወተሃደራትን ብእንግሊዝን ኣብ ሞንጎ ምስልምናን ክርስቲያን ኣሕዋት ባእሲ ምስ ኣልዓሉ ክርስቲና ከይጠፍኦምን ግዳይ እስላም ከይንከውን ካብ ዝብል ፍርሒ ምስ ኢትዮጵያ እንተበሉ ኢትዮጵያ ስለ ዝደለዩ ኣይምሰልካ። ታሪኽ እንተመርሚርካ ግብጽን ሃጸይ ዳዊትን ንኤርትራ ናይቲ ግዜ ስማ ምድረ ባሕሪ ብዝረ ዝኾነንዋ ግዜ ነይሩ ኣቦታት ድማ ኣጸፋ መልሲ ብምሃብ ክሳብ ዝሰማምዑን ብድልየት ኤርትራውያን ኣቦታት ከምዝኸዱ ዝገበርሉ ግዜ ከምዝነበረ ኣይትዘንግዕ። ብዓል ራእሲ ተሰማ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝበሉ ሱሩ ስለዝፈልጡ እብምበር ከምዚ ናትካ ስምዒት ሒዝዎም ኣይነበረን።

  • Truth to be told, it will take time but it will never die. It is true Eritreans fought for 30 years to get their independent from barberic regime. ,It is also true majority Eritrean in the eairly 50th fought hard to reunion with Ethiopia. This is fact and not hard to verify unless you blinded by PFDJ propaganda. It is also true there were some highlanders sought for freedom in 50tjh, particularly those who were more influenced by Egypt narration. Later, Haleselasies regime then Dergi exceedingly brutal administration helped to separatist gain the upper hand. In a process the unionist themselves had no choice but to fellow with the wind.
    It seems know Yoel symbolize the wake up of unionist. Like it or not this will dramatically exceed and will be the new norm. I call to this new norm the "sleeping giant" . The fight between separatist is and unionist is on.

Leave a Comment

This website uses cookies.