ብዝባን ስውኣት !

ሎሚ ሎሚ ኣብ ፌስቡክ ዝለዓሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ምይይጣትን ኣዚዮም ዘይእርኑባትን ፅልእን ቅርሕንትን ዘንበድብዱ እንዳኾኑ ኣናኸዱስ ፌስቡክ ሓዲግካ ጥፋእ ጥፋእ ይመፀኒ፡፡ እንታይ’ሞ ይገበር? ናበይ’ከ ይኽየድ? ፌስቡክ ዘይብሉ ቦታ ሎሚ ኣይርከብ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየዱ ምይይጣትን ምልልሳትን ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘለዎም ፅልኢትን ግጉይ ኣረዳድኣን ንዕዘብ፡፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሰሪሑዎም ኢሎም ዝገልፁዎም ስሕተታትን በፂሑና ዝብሉዎ በደላትን ልክዕ ህዝቢ ትግራይ ከምዝበደሎም ገይሮም ዝዛረቡ ብዙሓት እዮም፡፡ ምስቲ መንግስቲ ንገብሮ ኣለና ዝብሉዎ “ቃልሲ” ልክዕ ምስ ህዝቢ ትግራይ ይቃለሱ ከምዘለዉ ገይሮም ይዛረቡ፡፡ ምስዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ጊዜ ሂብና ስለንካታዕ ንሎሚ ነዓኣቶም ሓዲግና ብዛዕባ ኣብ ሓደ ሓደ ተጋሩ ዝረኣዩ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታታት ነዋግዕ (እዞም ሓሳባት መብዛሕትኦም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዘተፈላለዩ ተጋሩ ወገናት ዝለዓሉን ሓልሓሊፉ ምይይጥ ዝግበረሎምን እዮም)፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለፅኩዎም ሰባት ከምዘለዉ ኮይኖም ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን በበይኖም ምኳኖም ፈላልዮም ዝሪኡን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞን ነቐፌታትን ዘስምዑን ኣዚዮም ብዙሓት ኣለዉ፡፡ ኮይኑ ግና ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣቶ መለስ ይኹን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ተቓውሞታትን ነቐፌታታትን ከም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጦርነት ገይሮም ዝሰብኩን ነቶም ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ድማ ከም ፀላእትን ደመኛታትን ህዝቢ ትግራይ ገይሮም ዝቖፅሩን ተጋሩ ሓያለ እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣበበ ገላው ዝተበሃለ ግለሰብ ዝፈፀሞ መሕፈሪ ተግባር ስዒቡ ብዙሓት ተጋሩ ዝተፈላለዩ ስእልታት ኣበበ ገላውን ኣቶ መለስን እንሰኣሉ ኣብ ፌስቡክ ዝህቡዎ ዝነበሩ ግብረመልሲ ኣዚዮም የሕዝኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ መሕፈሪ ተግባር ዝፈፀመ ግለሰብ ገዚፉ ንክረአን ኣቶ መለስ ናብ ዘይግበኦም ደረጃ ክወርዱን ዝገብሩ እዮም – ኣነ ከምኡ ተሰሚዑኒ ……….. ሓደ ሓደ ጊዜ ምሽጓር (Ignore ምግባር) ዓቢይ ግብረመልሲ እዩ – ኣበበ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ኣይግበኦን ነይሩ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግን “ተቓሊስና ዘምፃእናዮ ስልጣን ከመይ ገይርና ብሰላማዊ ሰልፊ ንለቅቕ”……  “ገና ገና 100 ዓመት ክንገዝአኩም ኢና” …. ዝብሉ ዓይነታት ርኢቶ ኣብ ማሕበራዊ ምይይጥ ፌስቡክ ምርኣይ ከም መጠን ትግረዋይ ኣዚዩ የሰክፈኒ፡፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ረሲዖማቶ ግዲ’ምበር እቲ ኣሸሓት ህይወት ተኸፊሉዎ ዝተረኸበ ዓወት  ዜጋታት ዝመሰሎም ክድግፉን ይሕሸና ዝበሉዎ ናብ ስልጣን ከደይቡን ዘይምችዖም ድማ ንከውርዱን’ምበር ትግረዋይ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብቲ ቦታ ከቐምጡን ክንካእ የብሉን ኢሎም ክሞቱሉን ኣይኮነን፡፡ ብስሩ’ኸ ቀዳማይ ሚኒስትር ትግረዋይ እዩ ማለት ተጋሩ ይገዝኡ ኣለዉ ማለት ድዩ ?…..  ፅባሕ ንጉሆ ተወላዲ ከምባታ መራሒ እታ ሃገር እንተኾይኑ “ብከንባታ ንግዛእ ኣለና” ክንብል ማለት ድዩ ? …..  ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ክትከዶ ዘይግባኣ ሕማቕ መንገዲ እዩ – ንኹላትና፡፡ ካለኦት ሰባት ናብ ዝመርሑና ግጉይ መንገዲ ኣይንስዓብ፡፡

ሎሚ ሎሚ በብዕለቱ ፌስቡከይ እንትኸፍት መጀመርያ ዝሪኦም ነገራት ናይ ኣቶ መለስ ስእልን ነዐኦም ዘሞግሱ ፅሑፋትን እዮም፡፡ እቶም ዝልጠፉ ኣበሃህላታት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ብዛዕባ ኣቶ መለስ ይዛረቡ፣ እቲ ዘሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ‹ ኣብታ ሃገር ይረአ ኣሎ ዝበሃል ለውጢን ኩሉ ናይ ኣቶ መለስ ስራሕ ጥራሕ ገይሮም ይወስዱዎ፣ ሎሚ ሎሚ’ኳ ብዛዕባ እቶም ኣብ ፍቖዶ ሽንጥሮ ዝተረፉ ተጋደልቲ ምዝራብ ዳርጋ ተገዲፉ እዩ፡፡ ህዝባዊ ቃልሲ፣ ውድብ፣ መንግስቲ ዝበሃል ኩሉ ተረሲዑ ኩሉ ነገር ኣቶ መለስ ጥራሕ እዩ ኮይኑ፡፡ እዚ ናይ ብዙሓት ሚሊዮናት ህዝብታት ፃዕርን ኣበርክቶን ምዝንጋዕ እዩ፡፡ እዞም ሰባት ኣብዚሖም ክዛረቡሉ ዝስማዕ ሓደ ጉዳይ  “ኣቶ መለስ ክትከኦም ዝኽእል ሰብ ፈፂሙ የለን” ዝብል እዩ፡፡ እዚ እንተተተረዲኡዎም ብግልፂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዓቢይ ፀርፊ እዩ፡፡ መጀመርያ ነገር ንዘሓለፉ 21 ዓመታት  ኣብቲ ቦታ ተቐሚጡ ዝተፈተነ ካሊእ ዜጋ የለን – ስለዚ ከነወዳድር ኣይንኽእልን፡፡ ካልኣይ ኣሸሓት ብቑዓት ዜጋታት ኣለዉ እዮም ብዘይጥርጥር፡፡ ኣቶ መለስ ከም ካለኦት መሓዙት ብፆቶም ኣብ እዋን ንእስነቶም እቲ እዋን ዝጠልቦ ግዴታን መስዋእትን ፈፂሞም እዮም፡፡ ዕድለኛ ኮይኖም ድማ ናይ ውድቦምን ናይታ ሃገርን መራሒ ኮይኖም ብዘለዎም ፍልጠትን ተሞክሮን ክንዲ ዝኸኣሉዎ ሰሪሖም እዮም፡፡ ብዙሕ ክብሪ ይግበኦም እዩ ኣብ አዋን ኣመራርሐኦም ብዙሓት ፅቡቓት ዝተረኣዩ ለውጢ  ስለዘለዉ -  ኮይኑ ግና ክምለኹ የብሎምን፡፡ ኣቶ መለስ መልኣክ ኣይኮኑን’ሞ ጌጋ እንትፍፅሙ’ውን “የለን ተጋጊኹም” ክንብሎም ይግባእ፡፡ እዚ ድማ ከም ሓገዝ’ምበር ከም ፅልኢት ህዝቢ ትግራይ ገይርና ክንወስዶ  የብልናን፡፡

ናይ ህልክ ፖለቲካ ዘሰጉሙ ድማ እኒሀውታ -  እዚኣቶም ንሃፀይ ሚኒሊክ ስለዝተፃረፉ ሃፀይ ዮሃንስ ዝኽበሩ ዝመስሎም፣  ናይ ኮ/ል መንግስቱ ሃይለማርያም ዘይፅቡቕ ምሕደራ ስለዝዘርዘሩ ናይ ኣቶ መለስ ስሕተት ዘስረዩ ዝመስሎም እዮም፡፡ ኣብታ ሃገር ፅቡቓት መራሕቲ  ተባሂሎም ክፅውዑ ዘለዎምን ሓወልቲ ሃገር ዝግበኦምን ነሃትና ሰባት ጥራሕ እዮም እናበሉውን ይዛረቡ፡፡ ኣሕዋት ኩሎም መራሕቲ ነናይ ባዕሎም ፅቡቕን ሕማቕን ተግባር ኣለዎም ንኹሎም ድማ እንተኽኢልና ከም መጠን ሰባት እንተዘይኮይኑ ከም መጠን ኢትዮጵያውያን ኮይና ንመዝኖም
፡፡ ሎሚ ዝረኣዩ ምዕባለታት ምስ ትማሊ ዝነበሩ ምዕባለታት ኣይነወዳድር ከምኡውን ሎሚ ዝፍፀሙ ጉድለታት ትማሊ ብዝነበሩ ጭቆናን ዘይፍትሓውነትን ኣይንለካዓዮም፡፡ ሎሚ ጌጋ እንተተፈፂሙ ጌጋ እዩ -  ዝሓሸ ጌጋ ዝበሃል ነገር ኣነ ብወገነይ ኣይርደአንን፡፡ ሎሚ ዘለና ኣተሓሳስባ ባህጊን ጠለብን ትማሊ ኣቦታትናን እኖታትናን ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ካብ ዝነበሩዎም ድሌታት ዝተፈለየ እዩ፡፡ ሎሚ መንግስትና ዘለዎ ሰላም ምርግጋእን ሓድነትን ትማሊካብ ዝነበረ ኣዚዩ ዘዓበየ እዩ፡፡ ስለዚ ዜጋታት ሓደ ነገር እንተሓቱ ትማሊ እኮ ከምዚ ዓይነት መሰል ኣይነበረካን እቲ ተዋሂቡካ ዘሎ የኣኽለካ እዩ ኣይንበሎም በሃሊ እየ፡፡ ብዝባን ስውኣት !

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኮይንካ ብዛዕባ ሃገርካ ክትዛረብ የብልካን ኢሎም ዝዛረቡ መሳሰይቲ’ኸ ኣጋጢሞሙኹም ይፈልጡ’ዶ ? ብዙሓት እዮም፡፡ አረ ገለገሊኦምስ ካብኡ ሓሊፎም ካልእ ነገራትውን ይዛረቡ እዮም፡፡ ትግረዋይ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ነገር ክዛረብ የብሉን ዝብሉ ?…ኣለዉ ብዙሓት፡፡ እቲ ዝገርም ግን ናይዞም ሰባት ፊሎሶፊ ንመንግስቲ ዝድግፍ ነገር እንተኾይኑ ፀገም የብሎምን ምናልባት’ውን ክትቅፅለሉ የበረታትዑኻ፡፡ “ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣሎ” ኢሎም ዝሕብሩ ወይ “እዚ ጉዳይ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኣይተረደአንን?” ኢሎም ዘሓቱ ግን ከም ፀላእቲ ህዝቢ ይቑፀሩ፡ ኣብ መወዳእታ ዘልዕሎ ጉዳይ መን እዩ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልከቶ? ዝብል እዩ፡፡ ተጋሩ? ኣምሓሩ? ኦሮሞ? ካለኦት ብሄረሰባትከ? ብዓይኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ብሄረሰብ ካብቲ ካልእ ብሄረሰብ ዝሐሸ ቀረባ ዘመዱ ድዩ? ሓደ ብሄረሰብ’ከ ካብቶም ካለኦት ብሄረሰባት ብዝተፈለየ መንግስቲ ንዝሰርሖም ፅቡቕ ይኹን ጌጋ ስራሕቲ ናይ ምሕላቕ ግዴታ ኣለዎ ድዩ? ብምንታይ መለክዒ? ንመያየጠሎም  …………… እንተ ኣነ ኩላትና እታ ሀገር ማዕረ እያ ትብፀሐና ኢልና  ኣሚና ሕድሕድ ዜጋ ዝደለየ ዓይነት ኣመለኻኽታ ናይ መሓዝ መሰሉ ኣኽቢርና ስልጡን  ብዝኾነ ኣገባብ ናብ ዝሐሸትን ኩሎም ዜጋታት ናትና ዝብሉዎ መንግስትን ሃገርን ንምፍጣር ንረባረብ ይብል፡፡   

ክብርን ሞገስን ንህይወቶም ከይሰስዑ ዝተሰውኡ !

****************

The author Jossy Romanat can be reached at jossyromanat@gmail.com. You may find other articles by Jossy Romanat here.

Jossy Romanat: Jossy Romanat

View Comments (6)

  • አማን አዩ ሓወይ ፅቡቅ ኣስተወኤልካ ኣለካ! ገለ ገለ ተጋሩ ከም ገለ ገለ ኣምሓሩ ተበላሽዮም ኣለዉ ።
    መለስ ግን ኢትዮጵያ ባህር አልባ ክትከዉን ከምዝገበረ አንዳፈለጥና ጅግና ምባል አግባብ ድዩ?

    • Dear Hishe,
      When you say Meles has made Ethiopia landlocked, there are a number of points that you are missing
      -Minilik II gave recognition to Italy's occupation of Eritrea, in contrast to Atse Yohannes's and Aluala's heroic resistance
      -Minilik II gave order to Ethiopian Army not to cross the Eritrean border even though Italians were retreating with low morale to Asmara; which strengthens his prior recognition
      -Thereafter the Eritreans developed their own cultural, political and social identity.
      -US and British supported the unification of Ethiopia with Eritrea although they believed it was not what the Eritreans wanted. US Ambassador to Eritrea said "From the point of view of justice, the opinions of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless the strategic interest of the United States in the Red Sea basin and the considerations of security and world peace make it necessary that the country has to be linked with our ally Ethiopia"
      -Russians wanted Eritrea to be administered by Italy because they were expecting a communist government in Italy
      -In the end US and British won and the Eritreans were forced to unite with Eritrea under loose federation.
      -Haileslassie I pressured Eritrea’s elected chief executive to resign, made Amharic the official language in place of Arabic and Tigrinya, terminated the use of the Eritrean flag, imposed censorship, moved many businesses out of Eritrea and pressured the Eritrean Assembly to abolish the Federation and join the Imperial Ethiopian fold, much to the dismay of those in Eritrea who favored a more liberal political order
      - The Eritreans then started the armed struggle for Independence
      - United States which after the fall of Soviet Union believed that unification of Eritrea with Ethiopia was no longer a strategic issue, supported Eritreans to held a refrendum
      - In a referendum which was described as free and fair by the UN 99.83% of the Eritreans voted for independence from Ethiopia

      I understand no reason why Meles should be accountable for making Ethiopia landlocked while Menilik is not. Menelik also gave Djibouti away and Mengistu got financial aid in return for allowing a referendum in Djibouti from the French government. Until when is Mengistu going to be considered as a person who cared about Ethiopia's unity when he actually failed to adhere to the treaty that Djibouti was only given away on contract wise? Until when is Menelik's not going to be blamed for Eritrea's case?
      I feel sorry for you Hishe as you have failed to see the actual facts and sing with tho toxic opposition in unison.

  • Hi Jossy Romant
    ፅሑፍካ አንቢበዮ ብዝባን ስውኣት እዩ ዝብል ….ዋሕዚኡ ፅቡቕ ይመስል በወገነይ ዝድግፎ አለኒ ዝቃወሞ ኣለኒ ፡፡ በቲ ዝደገፍኩዎ ክጅምረልካ እሞ ስማዕንዶ …ብስሩባ ቀዳማይ ነገር ትግራዋይ ዲኻ ‘ሓዛን ኤርትራዊ ‘እዚ መልሲ የድልዮ ብዛዕባይ ሙሉእ ሓበሬታ ክህበካ እኽእል እየ ፡፡ እቶም ብዋህነት ነታ ዓዲ ዝመፀ ለወጢ ብህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ፣ኣይተ መለስ ዝትክኦም የለን ዝብሉ ካብ ሓደ የዋህ ሰብ ካብምሒር ምፍታውን ምንኣድን ዝመፀ እዩ ፡፡ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮንን ጆሲ ግና እዚ ድዩ ዘጨንቐካ ኣይመስለንን ህዝቢ ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት በቶም ዝነበሩ መግዛእትታት ካብቲ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ብዝኸፍአ መልክዑ ዝበፅሖ ወፅዓ ትፍልጦ ኢኻ ፡፡ ፀሓፍን ውሩይ ሰብ ናይ ሃገርና ዝነበሩ ነጋድራስ ገብረ ሂወት ባይከዳኝ በዘበነ ምኒልክ ዝፀሃፍዎ “ንሃፄ ምኒሊክ ንምምጓስ ንሃፀይ ዮሃነስ ምውራድ አግባብ አይኮንን ”ኢሎም ነይሮም ፡፡ ስለዚ ሃፀይ ምኒልክ ስለዝተሞገሱ ዘይኮነስ ንሃፀይ ምኒልክ ንምኣድ ከበሃል ነቲ ካሊእ ምንእኣስ ኣሎ ፡፡ እሞዚ እንተሓቢኡካ ፀገም ዘለካ ሰብ እኻ ማለት እዩ ፡፡
    ኤርትራዊያን ንኣይተ ኢሳያስ ይቐትል ይቕንፅል እዩ ይበሃል ግና ወዲ አፎም ይብልዎ ፡፡ ይፈትውዎ ንምንታይ ይፈትዉዎ ኣይበሃልን ስለዚ ኣይተ መለስውን በመሪሕነት ንሱ እዚ ነስተማቕሮ ዘለና ሃዋህው ዘሎ ምችው ኩነታት ስለዝተፈጠረ እንታይ ኣለዎ ተተንኣደ ፡፡ ስየ ጀግና እዩ ሓየሎም ጀግና እዩ ይበሃል መለስ በለሕ እዩ ተተብሃለ ዘይናቱ አይተውሃበን እንታይ እዩ እቲ ፀገም ፡፡ ብባህሪና ንሕና ኢትዮጵያውያን ጀጋኑና ኣይንንእድን ፡፡ ከም ወዮ ምስላ አምሓሩ “ነቢይ ባገሩ ኣይከበርም ”ይብሉ ሓቂ እዩ ፡፡
    ንሕና ተጋሩ ብቑፅሪ ዉሑዳት ግና ብዙሕ ጠማቲ ዘለና ምዃና ትስሕቶ ኣይመስለንን ፡፡ሕዚ ወሑዳ ተጋሩ ከምዚ ኢሎም ኢልካ ንተጋሩ ትወቕሰሉ ጊዜ ኣይኮንን ፡፡ አበበ በለው ንመለስ ዝፅረፎ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ይመስለካ እሰቲ መልሰለይ …..ኣብ ቤተክርስቲያን ቀሪቡ ሕልሚ..ገለ መለ ..ዝብል እሞ ድማ እቲ ቀሺ ከ ዲሞክራሲ ድዩ ዊሒድዎ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ይመስለካ …..ስማዕ እዚ ነውገዖ ዘለና ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ኢለ ስለዝኣመንኩ እየ ፡፡ከመይ ገይሩ እዩ ኩሉሻብ ፌስቡክ ክትከፍት ከለካ ንመለስ ዘወደሱ ዘሞግሱ /ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ዘጋንንዎ / ጥራሕ ትርኢ ንስካ ዕድለኛ እኻ ማለት እዩ ፡፡
    ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ኣቕኒዕካ
    ንተጋሩ ዝፃረፉ ንመለስ ዘዋርድ ቃላት ፖስት ዝገብሩ ግዑዙያት ዘርኣውያን ኣይረኣይኻን ፡፡ ዝገርምዩ …ኣበይ ምኻንካ ይቅርታ ኣይፈለጥኩን ኤርትራ ኹን ወፃእ ኹን ብዘየገድስ ሎሚ ትግራዋይ ተኳሸሑ ብዘምፀኦ ሰላምን መንገዲ ዲሞክራሲን ሰባት መለስ ስዝተፃረፉ ፣ንህዝቢ ትግራይ ስለዘዋረዱ ፣ንቲፒኤል ኤፍ ስለዘንቋሸሹ ከም ማንዴላ ጀግና ተባሂሎም ዝፅውዑሉ መድረኽ ፎቲኻዮ ውሑዳ ተጋሩ እሞ ድማ ምስሊ ዘይብሎም ኤርትራዊያን/ተጋሩ ይኹኑ ኣይኹኑ ዘይፍለጡ ዝፀሓፉዎ ፅሑፋት ወሲድካ ተጋሩ ከምዝፀሓፋ ጌርካ ክትወቅስ አግባብ ኣይኮንነ ፡፡ ክመቲ ዝጠቐስካዮ ዝፅሕፉ ሰባት ምሰሊ ዘየቕምጡ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ሓበሬታዶ ኣለካ ››››
    ካሊእ ብመሪሕነት ሕወሓት ዝመፁ ለውጥታት ንምባል ገለ ተጋሩ ሳላ መለስ እንተበሉ ናይ የዋህ አዘራርባ እዩ ፡፡ ግድብ ኣባይ፣ቀለበት መንገዲ ዲሰ አበባ ፣ዝተፈላለዩ ምዕባለታት፣ናይ ደገ ኢንቨስተራት/እቶም ዕሙታት ዝብልዎ land grabing /፣ወረዳታት ዘራኽብ ፅርጊያታት ፣ህንፀት ሃይድሮ ፓወር ፣ ብዘመነ ተጋሩ ተሰሪሑ ከይበሃል አይኮነን ድዩ ደገ ዘለዉ ዕሙታት ዲያስፖራ ዝቃወሙ ዘለዉ እምበር ዓዲ ብሰይጣን እንተለምዐት እንታዩ ችግሮም …..
    • ነዛ አገላልፃኻ እዚኣ ብጣዕሚ የመስግነካ “ካልኣይ ኣሸሓት ብቑዓት ዜጋታት ኣለዉ እዮም ብዘይጥርጥር፡፡ ኣቶ መለስ ከም ካልኦት መሓዙት ብፆቶም ኣብ እዋን ንእስነቶም እቲ እዋን ዝጠልቦ ግዴታን መስዋእትን ፈፂሞም እዮም፡፡ ዕድለኛ ኮይኖም ድማ ናይ ውድቦምን ናይታ ሃገርን መራሒ ኮይኖም ብዘለዎም ፍልጠትን ተሞክሮን ክንዲ ዝኸኣሉዎ ሰሪሖም እዮም፡፡ ብዙሕ ክብሪ ይግበኦም እዩ ኣብ አዋን ኣመራርሐኦም ብዙሓት ፅቡቓት ዝተረኣዩ ለውጢ ስለዘለዉ - ኮይኑ ግና ክምለኹ የብሎምን፡፡ ኣቶ መለስ መልኣክ ኣይኮኑን’ሞ ጌጋ እንትፍፅሙ’ውን “የለን ተጋጊኹም” ክንብሎም ይግባእ፡፡ እዚ ድማ ከም ሓገዝ’ምበር ከም ፅልኢት ህዝቢ ትግራይ ገይርና ክንወስዶ የብልናን፡፡ ” ንኣይተ መለስ ስለዝነኣድካ ዘይኮነስ እቲ አገላልፃ ምክንያታዊ እዩ ፡፡ ግና ንምታከ መለስ ይፃረፉ እስቲ ምክንያቱ ንገረኒ በይዛኻ ሓደራኻ…….
    ንሕና ተጋሩ ሕዚ ዝደለየ ፖለቲካዊ አፍላላይ ይሃለወና ምእንተ ህዝብናን ቐፃሊ ወለዶን ኢልና ሓድነትና ክጠናኸር ኣለዎ ፡፡

    • ur implication is not reasonable. i really appreciate birhane, his insight towards the issues in relation with the government and the people of Tigray has been well quoted. we need to think about that. the people and the party should be differentiated. secondly Party is a choice of the people over all.

Leave a Comment

This website uses cookies.