ሕዚዝካየድ ዘሎ ናይ ኦሮምያ ዓመፅ ምክንያቱን ዓላምኡን ዴሞክራስያዊ ኣይኮነን

(ብተከዘ ትግራይ፤ መቀለ) 

ነዛ ፅሕፍቲ ክፀሕፍ ዘላዓለኒ ምክንያት ኣብ ሀገርና ኢትዮጲያ ዝካየድ ዘሎ ዓመፅን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ ዘይምክንያታዊን ፀረ-ዴሞክራሲያ ዝኮነ ዘመቻ እዩ። ብፋላይ ከዓ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ዉድቡን ንመሰል ህዝብ ኦሮሞ ዝገበሮ ናይ መስዋእቲን ደሞክራሰያዊ ቃልሲ ብምርሳዕ ከም ጨቃናይን በዝባዛይን ቆፀሮም ኣብ መሰረታዉ ረብሓታቱን ህልዉንኡን ቀሊል ዘይባሃል ሓደጋ ምብፀሖምን ታርጌት ምግባሮም እዩ።

ስለዚ ተጋሩ እዉን እቲ ሓቂ አቀሚጥና፤እተዝከዉን ተዛርብና፤ቀደሙ እዉን ብስሬናን መሰዋእትናን እምበር ኣሕንድዩ ዘንበረና ኣይነበረን። ኣብ ኢትዮጲያ ይኩን ኣፍሪካ ብስሬካ እምበር ብምክብባርን ሓልዮትን ዘንብር ኣይተረከበን። ኣብ ኢትዮጲያ ናይ ዴሞክራሲን ሓሊዮት ዘመን ንክመፀኣልና ግን ሕዚ እዉን ካብ ምፅላይ ዓዲ ኣይንዉዕልን። ረብሓና ካብ ሰላም ስለዘኮነ።እዚ ፅሑፍ ብዴሞክራስያዊት ኢትዮጲያ ዝኣምኑ ናይ ኦሮም ብሄርተኛ አይምልከት! ሰናይ ንባብ!

ናይ ኦሮምያ ፅንፈኛ ብሄረተኝነት ንኢትዮጲያ ከም “ባዕዳዊ ገዛኢት” ሀገር ገይሩ ስለዝርኢ ካብ መጀመርኡ ፀረ-ደሞክራሲን ዘይሃገራዊ እዩ። ቅቡልነት ዘለዎም ባዓል ዋናታት ሀገረ ኢትዮጲያ “ኣምሓሩንተጋሩን” (ኣብሲኒያዊያን) እዮም ዝብል ኣመለካክታ ስለዘለዎ እቲ ቃለሲ ኣብ መንጎ ናይ ኣብሲንያዊያን ቃልሲ ንሀገራዊ ሓድነትን ናይ ኦሮሚያ ብሄርተኝነት ንሙሉእ ሀገራዊ ናይ ግዝኣት ነፃንት ከም ዝከዉን ገይሮም ንዘመናት እናሰርሑሉ ፀኒሖም እዮም።

ስለዚ እቲ ሕዚ ኣብ ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ዓመፅ ካብ ሕቶ ዴሞክራሲን ልምዓትን ብዝዘለለ መልክዑ ክልተ መሰረታዊ ተልእኮ ዘለዎ እዩ።

1/ ነቲ ካብ ፈደራላዊ ሕገ መንግሲቲ ዝረከበዎ መሰል ዓርሰዉሳነን ክልላዊ ምሕደራን ብምስፋሕ፤ ክልላዊ ነፃንት “Oromumma and Oromo first” ብዝብል ኣምር ብምእዋጅ ፤ ናይ ምትሕብባር ፈዴራሊዚም ብምድካም፤ ኦሮሚያን ንኦሮሞቶት ጥራሕ ዝብል ብሄራዊ ምልዕዓል ብምክያድ ናይ ኦሮሞ ብሄርተኝነት ናብ ዝላዓለ ብርኪ ምብፃሕ፤ (Grievance based populist nationalism) ፤“Oromo Protest” ብዝብል ብምጅማር ቀስብቀስ ናይ መንግስቲ ዓቅሚ ብምድካም ንኣጠቃላሊ ፀረ መንግስትን ሀገርን ዒላማ ዝገበረ ናይ “Oromo revolution” ቅድመ ኩነት ምዝርጋሕ “Economic Revolution” by OPDO and “political Revolution” by OLF and Diaspora activist እዩ ነይሩ።

ዓምፅ ምስ ተጀመረ ድማ “ዝበዝሓ ቁፅሪ” ዘለዎ ህዝቢ ኦሮሚያ ብ’ንእሽተይ ቁፅሪ’ ዘለዎ ናይ ትግራይ-ኣብሲኒያ (Abyssinian Ethnic minority) ብሄር ዝጭፍለቅ ዘሎ ኣምሲልካ ዓለምለካዊ ድፕሎማሲያዊ ድጋፍ (International legitimacy or “Internationalization of Oromo protest”) ምርካብ ዝዓለም እዩ። ብተወሳኪ ድማ ምስ ካልኦት ፀረ-ህወሓት ዝኮኑ ናይ ኦብነግ፣ ናይ ኣምሓራ ፅንፈኛ ብሄርተኛ፣ ሻዕብያ፤ ግብፂን ካልኦትን ‘ታካቲካዊ’ ሕብረት ብምፍጣር፣ ንህወሓት ናይ ‘ሓባር ፀላኢ’ (TPLF as Common Enemy) ብምምሳል፤ ብምድካምን ምንፃልን ናይ ፈደራል ስልጣን ምቁፅፃር ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ናይ ኢትዮጲያ ሀገራዊ ኩነት ናይ ኦሮሞ ፅንፈኛ ብሄርተኝነት ብባህሪኡ ዘይምክንያታዊ፣ ዘይደሞክራሲያዊ፣ ሀገራዊ ቅቡሉነት ንክረክብ ታርካዊ ቅድመ ኩነት ዝንእሶ፤ካብ ቅሬታ ብዝላዓል ታርካዊ ባህሪኡ ምስ ካልኦት ብሄራት ተጋጫዋይን ናይ ምዕብላልን ምጭፈላቅን ሕልሚ ዝሰነቀ፤ ንካልኦት ብሄራት እንተዘይ ዉሕጡን ኣጥፊኡን ካብ ፍርሒ ዘይላቀቅ ብሄርተኝነት እዩ። ብምካኑ ድማ ናብ ናይ ኢትዮጲያ መንግስቲታት ዘቅርብዎም ናይ “መሰል” ሕቶታት ካብ ናይ ኢትዮጲያ ሀገራዊ ዓቅሚ ዘይብገሱ ፤ናይ ምዕብላል ራኣይ ዝሰነቁ፤ንካልኦት ብሄራት ኣብ ምሽቁራር ዝምስረቱ፤ንድርድር ዘይጥዕሙን እዮም። ስለዚ ናይ ጠ/ሚኒስተር ቦታ እንተዝዋሃቦም እዉን ካብ ምዕማፅን ምህዋክን ዘይምለስ እዩ ።

2/ ኣብ ፈደራል መንግሲቲ ንዝህሉ ናይ ፖሊቲካዊ ስልጣ ክፍፍልን ድማ ብናይ “ህዝቢ ቁፅሪ” (majority tyranny) ን “ኦሮሚያ ብተፈጥሮ ሃፍታም” (“Cereal and Coffee based nationalism”) ዝብሉ ጭርሖታት ከም ዴሞክራሲ መቃለሲ ብምምሳል፤ ናይ ጠ/ሚንስትረ ሃይለማረያም ደሳላይ ‘ልሕሉሕ ቅቡልንት’ ከም ፅቡቅ ኣጋጣሚ ብምዉሳድ፤ ናይ ጠ/ሚኒስተር ስልጣን ታራና እዩ ብምባል፤ ናይ ፈደራል መንግስቲ ስልጣን ሙሉእ ብሙሉእ ብምቁፅፃር ብናይ ኦሮሞ ‘ፖሊቲካዊ ቅኒት’ እትምራሕ ‘ሓዳሽ’ ኢትዮጲያ ምፍጣር እዩ።

ዋና ዓላማ ናይዚ ብ ናይ ኦሮሞ ‘ፖሊቲካዊ ቅኒት’ እትምራሕ ‘ሓዳሽ’ ኢትዮጲያ ድማ ናይ ኦሮሞ መሪሕነት ኣብ ኢትዮጲያ ናይ ‘ምምራሕ ቅቡልነት’ ምርግጋፅ፤ ታሪካዊ ዉረድት ምፍሓቅን ሕነ-ምፍዳይን መሰረት ዝገበረ እዩ። እዚ ራኣይ እንተዘይተሳኪዑ ድማ ናይ ተጋሩ ቃልሲን ፍልስፍናን መሰረት ዝኮነት ፈደራላዊት ኢትዮጲያ ንናይ ኦሮሚያ ዝተማልኣ ሃገራዊ ነፃነት ዘይተማልእን ናይ ኦሮሚያ ናይ ‘ነፃነት ራኢ’ ግዜ እተናዉሕ መቀፃልታ ና ኣምሓሩ ኣሃዳዊት ኢትዮጲያ እያ ብምባል ኣብ ልዕሊ ናይኣብሲንያ ዝብልዎ ኢትዮጲያ ምዕማፅን ምፍራስን እዩ።

ነገረ ግና ናይ ኦሮሞ ፅንፈኛ ብሄርተኝንት ነቶም ኣብ ላዓሊ ዝተገለፁ ራኣያት ከሳክዕ ዝሽገር እዩ ዝከዉን።

(1ይ) ኢትዮጲያ ባዓዳዊ ገዛኢት ናይ ኦሮሚያ ክትኮኖሉ እትክእል ታረካዊ ድሕረ ባይታ የብላን። ሓንቲ ሃገር ባዓዳዊ ገዛኢት ክትኮን እንትኮይና ኢኮኖሚኣ ኣብ እንድስቱሪ ዝተመስረተ ፤ነቲ ትሕዞ ግዝኣት ድማ ንእንድስትሪ ዝኮኑ ጥር ኣቁሕት፣ ነፃ ናይ ሰብ ጉልበትን ንናይ ኢንዱስተሪ ዉፅኢት ዝኮኑ ኣቁት መሸጢ ዓዳጋ እንድሕ እትደሊ እዩ።ሰለዚ ኢትዮጲያ ኣብ ፊዉዳል ስርዓትንሕርሻ ዝተመሰረት ኢኮኖሚ ዝነበራ ሃገር ብምካናን ህዝቢ ኦሮሞ ድማ ንቲ ሕዚ ሕዚዎ ዝነሄ ግዘኣት ብምስፍሕፋሕ ኣብ 16ከ/ዘመን ዝሓዞን ፤ ኣብ ናይ ሃፃይ ምንሊክ ናይ ግዝኣት ምስፍሕፋሕ ድማ ተወለደቲ ኦሮሞ ዓብይ ግደ ዝነበሮም ብምካኑ ኢትዮጲያ ፊዉዳላዊት ሀገር እምበር ባዓዳዊት ገዛኢት ክትኮን ኣይትክእልን።

ስለዚ ናይ ኦሮሞ ሕቶ ናይ ብሄራዊ ጭቆና ሕቶ እዩ። ናይ ኦሮሞ ናይ ምግንፃል ሕቶ ዉን ክሳካዓሉ ዝክእል ጂኦግራፊያዊ ምችዉንት ስለዘይብሉ (ዝተከበበ ብሄርተኝነት፣ ሕ/ሰባዊ ሓድነት ወይድማ ምሰካልኦት ብሄራት ብስፍሓት ዝተሓዋወሰን ዝተከበበን ስለዝኮነ)፤ ፖለቲካዊ ቅበሉንት ኣብ ኢትዮጲያ (ብካልኦት ብሄራት ናይ ኦሮሚያ ምግንፃል ኣጠቃላይ ናይ ኢትዮጲያ ምፍራስ ተገይሩ ስለዝዉሰድን ንናይ ባዕሎም ህልዉና ክብሉ ስለዘይፈቅዱ) ስለዘይብሉ፣ ወታደራዊ ዓቅሚ(ብተደጋጋሚ ዝተካየዱ ናይ ኦሮሞ ብረታዊ ቃልሲ ስለዝፈሸሉን ዝተበታተኑን)፣ ዓለምላካዊ ቅቡልነት ካብ ኢትዮጲያ እንትግንፃል ኦሮሚያ ስለዘይህሉ፤ ናይ ኦሮምያ ናይ ምግንፃል ሕቶ መሳርሒ ድርድር ንዝሓሸ ስልጣንን ብሄራዊ ምልዕዓላት ሓሉፊ ክዉንነትን የብሉን።

ስለዚ ዝኮነ ይኩን ኣብ ናይ ኦሮምያ ምግንፃል መሰረት ገይሮም ዝግበሩ ዓምፃት ንናይ ኦሮሚያ ዴሞክራሱያዊ ተጠቃምንት ዘዳክሙ፣ ናይኦሮሞ ብሄርተኝንት ዝከፋፈሉ፣ ምስናይ ካልኦት ብሄራት ዴሞክራሲያዊ ድሌታት ዝጋጨውን ኣብ መጨረሽታ ድማ ናይ ኦሮሞ ብሄርተኝነት ተከባብነት ዘረጋግፁ ጥራሕ እዮም ክኮኑ ዝክእሉ።ብምካኑ ድማ ኦሮሞ ካብ ሰላማዊ ሪፎርም እምበር ካብ ዝኮነ ይኩን “ሪቮሉሽን” ተጠቃማይ ክከዉን ኣይክእልን።

(2ይ) ናይ ኦሮሞ ንበይኖም ዘካይድዎ “Political and Economic Revolution” እይክህሉን። ናይ ኦሮሞ ናይ “ኢኮኖሚ ሪቮሉሽን” ክሳካዕ እይክልን ምክንያቱ “ኦሮምያ ፈረስት” ዝብል ናይ ኦሮሞ ብሄርተኛ ንካልኦት ብሄራት ን ብፍላይ ድማ ንኣምሓሩንተጋሩን ብጥርጣረ ስለዝምከት ። “ኦሮምያ ንኦሮሞተት ጥራሕ” ከምኡ ዉን “Oromo Economic Protectionism” ንናይ ካልኦት ብሄራት ሕገ መንግስታዊን ዜግነታዊ መሰላቶም ስለዝዳፋእ፤ ናይ ነፃ ኢኮኖሚ ዓላማታት ስለዝግድብ፤ ንካልኦት ብሄራት ካብናይ ኦሮሚያን ዕዳጋ ዘዉፅእን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቃሳቶም ዝግድብ ስለዝኮነ፤ ንናይ ፈደራል መንግስቲ ኢኮኖሚያዊን ፖሊቲካዊን ምንቅስቃስ ዕንቅፋት ዝፈጥር ስለዘኮነ፤ ናይ ፈደራል ሕ/መንግስቲ ኣምር “ሃገራዊ ሓድነትን ናይ ዜጋታት ነፃነት” ኣብ ምጥርጣር ዘኣቱ ስለዘኮነ፤ ወዘተ።

ናይ ኦሮምያ ዓምፅን ስዕቡ ዝመፀ ናይ ኦህዴድ “ሪቮሉሽን” ጭርሖ ናይ ኢህወደግ ግንባራዊ ሓድነት ብምድካም ናይ 4ኦም ኣባል ዉድባት ውድድር ጥራሕ እዩ ክፈጥር ዝክእል። ብምካኑ እዚ ሕዚ ኣብ ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ዓመፅ ይኩን እቲ ኣብ ኣምሓራ ዝተካየደ ዓመፅ መሰራታዊ ምክንያቱ ናይ ኦህዴድ (ወይ ጠቅላይ ሚኒስተር ወይ ምክትል ዘይንኮን) ብኣዴን (ክንደይ ግዜ ምክትል) ዝብሉን ናይ “ጠ/ሚ ሃይለማርያምን ህዝብታት ደቡብን” ኢትዮጲያ ናይ ምምራሕ ቅቡልነት እንተይተጠናከረ ንኢህወደግ ብህዝባዊ ዓመፅ ብምንጋዕ፤ ህወሓት “ዓብላላይ ውድብ” ዝብል ሽም ብምጥማቅ፤ እቲ ናይ ስልጣን ድርድር ኣብ መንጎ “ንእሽተይ” ብሄር ዝዉክል ህወሓት ን ክልተ ናይ ኢትዮጲያ ብቁፅሮም ዓበይቲ ብሄራት ዝዉክሉ ብኣዴንንኦሆዴድ መሰረት ዝገበረ ንክከዉን ዝዓለመ  ፀረ-ህዝቢን ፀረ-ዴሞክራሲ፤ ንናይ ካልኦት ኣናእሽተይ ብሄራት (ናይ ደቡብ ብሄራት ሓዊሱ) ናይ ስልጣን ተጠቃምነት ማእከል ዘይገብር ናይ ዓብላላይ “populist nationalism” እዩ። ከም ዉፅኢቱ ደማ እዚ ህዚ ዝነሄናሉ ዕንክሊል ተፈጠሩ ኣሎ።

ብምካኑ ድማ ኢህወደግ ይኩን ህወሓት ግልፂ ዝኮነ መልእክቲ ን ኦሆዴድ ከማሕልፊ ኣለዎም እብል

(ሀ) ናይ ኢትዮጲያ ፖለቲካ ብባህሪኦ ናይ ቁፅሪ ምስላሕን ምዉርድራር ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ኣብ ስትራተጂካዊ ዓቅሚ ጥርሕ እዩ ዝምስረት። ንኣብነት ናይ ዓፋር እንተሪእና ኣብ አ/ያ ዘለዋ ዓቅሚ ምስ ወደብ ጅቡቲን ቀይሕ ባሕሪ ይታሓሓዝ። ምስ ቁፅሮም ኣይኮነን። ናይ ኢት/ያ ሶማልያ ድማ ምስ ራኣይ ዓባይ ሶማልያ፤ ናይ ኣምሓሪን ተጋሩን ድማ ምስ ምምስራት ታሪካዊትን ዘመናዊት ኢትዮጲያ (ናይኣምሓሪን ተጋሩን ንሕንሕ ስልጣን መንሓዘ እንበር ናይ ባህልን ታርክ ባአሲ ኣይመስለንን ከም ዉፅኢቱ ድማ ኩነታት ምስከፍኣ ብኣዴንን ሕወሓት ከምኡዉን ተጋሩን ኣምሓሩን ሓደ ኢና ምባሎም ኣይተርፍን።)

እንትኮዉን ናይ ኦሮሞ ግን “ኣዲስ ኣበባ ንበይንና” ኣብ ዝብል ስለዝሙርኮስ ምስ ኩሎም ብሄራትን መንግስታዊ መዋቅር ዘይቃዶን ሰለዘኮነ ናይ ምድርዳር ዓቅሙ ሰላም ካብ ምህዋክ ዝሓልፍ ኣይኮንን። ስለዚ ናይኩለን ብሄራት ሰላም ንከይዝረግ ኩለን ብሄራት ናብ ሱሙር ግንባር ምምፀኤን ኣይቀርን። ወይድማ ብሰንኪ ኦሮሚያ ከለን ንክጉዳኣ ይፈቅዳ ማለት እዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ፖለቲካ ዕሽነት ድማ የለን።

ለ) ኦሆዴድ ኣብ ልዕሊ ኢህወደግ ይኩን ህወሓት ናይ “ክወፅእ እየ ን ክህውክን እየ ዝብል ፈከራ” ኪደ ዉፃእ ዝብል መልእክቲ ክመሓላለፉሉ ይግባእ። ምስ ብኣዴን ካልኦት ኣጋር ወደባት ዝህልዎና ርክብ ግን ታርካዊን ስተራተጂካዊን ጥቅምታት ኣብ ግምት ብምእታው ጥንቃቀን ብስለት ዝተማሎኦ ድርድርን የድሊ እብል። ኣብቲ ዝነሄ ፓርላማ ዉን ምስ ብኣዴንን ካልኦት ኣባላት ፓርላማ ብምድርዳር ናይ ኦሄዴደ ፈከራ ምትንፋሰ ይካኣል እዩ።

ብኣዴንን ኦህዴድ ብምሕባር “መፈንቅለ ፓርላማ ይግበሩ” ዝብል ናይ እርምያስ ከበደ ጭርሖ ማይ ዝቃፅር ኣይኮነን፤ ክዉንነት እዉን የብሉን። ህወሓት ዝፍንቀል ናይ ጠ/ሚ ስልጣን የብሉን። ኢህወደግ እካ እንፈሪሱ ን4 ኣባላት ዉድባትኢህወደግ ዝጎድእ እምበር ንህወሓት ጥራሕ ፈሊዩ ዝጎድኣሉ ምክንያት የለን። ናይ ኢህወደግ ታርካዊን መስዋእታዊ ዓንዲ ኣብ ብኣዴን(ኣምሓሪ)ን ህወሓትን(ተጋሩ) ዝተመስረተ ስለዝኮነ። ስለዚ ኦሆዴድ ወፀ ኣይወፀ በዝሕዚ ዉን እሙን ማሓዛ ኢህወደግ ክከዉን ኣይክልን።

መራሕቱ ኣብ ማእከለ ኣዲሰ ኣበባን ኣዳማን ኮይኖም ብናይ ኢትዮጲያ ሃፍትን ሚድያን ዓመፅ ዝፅዉዑ፤ ናይ ንፁሃን ኢትዮጲያን ሰላማዊ ንሮ፣ተስፋ፤ድሕንነት ዝህዉኩን ዘፀልምቱን፤ ምህዋኮም ድማ ከም ዓወትን ኩርዓትን ዝርኢ ብምካኑ ከምኣባሃህላ ወዲ ዜናዊ “ሀመሙኡ ኣራጊፍካ ዝዉዳእ ኣይኮነን”። ከም መማረፂ ድማ ካልኦት ናይ ኦሮሚያ ዉድባት ምፍታሽ የድሊ።

ሐ) ኦሆዴድ ናይ ፈደራል ፀጥታ ሓይልታት ብተደጋጋሚ ምስ ህዝቢ ክጋጨዉ ንምግባር ናይ ሰላም ሓይልታት ኣይኮኑን ዝብል መልእክቲ ንዓለም ማ/ስብ ከሕልፍ ዝደለየ ይመስል። ናይ ክልሉ ሳላምንፀጥታን ክመርሕ ዘይካኣለ ዉድብ ከመይ ገይሩ ናይ ዴሞክራሲ ሓይሊ ክኮን ይክእል። ስለዚ ናይ ፀጥታ ሓይልታት ሕገ መንግስታዊ ፀጥታን ድሕነት ሃገርን ዜጋን ግዜ እንተይዎሰዱ ክፍፅሙ ይግባእ። ኦሆዴድ ባዓሉ ዓመፅ ይዉልዕ፤ህዝቢ ይፈናቀል፣ ናይ ፈደራል ፀጥታ ሓይልታት ኣይሓገዙን እሉ ኣዉያት የሰምዕ፤ሎሚ ሎሚስ ነቲ ዓመፅ ፈደራል መንግስቲን ተጋሩ እዩም ዝመርሖ ዘሎ ናብ ዝብል ፀረ-ተጋሩ ዘቅነዓ ፀለመ በፅሑ እንሄ።

“ዝተፃዓና መኪናታት ብዝረኣየ ቁፅሪ ናብ መቀለ ይከዳ ኣለዋን” ንዓመፅ መፀዉዒ ጭርሖ ብንፍጣር የፅምመና ኣሎ። ስለዚ እንተይመሸየ ኦሆዴድን ናይ ኦሮሚያ ወደኔታት ኣደብ ግዝኡ ክባሃሉ ኣለዎም። ዓለም ምስ ሓይሊ ዘሎዎ እያ ጉዕዞኣ ትቅፅል፤ ያዕያዕ ዘይምፍራሕ እቲ ዝከዉን ክከዉን ኣለዎ።

መ) መራሕቲ ህወሓት ድማ ካብ ዝኮነ ይኩን ግዜ ሎሚ ናይ ዓላማ ሓድነት ንክህልዎኩም ህዝብ ትግራይ ይፅበ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ዉን ኣብዚወቅቲ ባዕሉ ንክካላከል ዝግጁ ኮይኑ ኣሎ መረሕነት ግን ይደሊ ኣሎ ። ሓቦ ዘስንቁ ሙህራን ኣክቲቪስት መንኣሰያት ተፈጢሮ ኣለዉ ኣገንዑ ክባሉ ኣለዎም፤ ኣድላይ ዝብሃል ሓበሬታ ድማ ክዋሃቦም ይግባእ። ዘመኑ ናይ ሓበሬታ ቅድድም እዩ፤ ኦሆዴድ ንኢህወደግ ነግ ነግ ዘብሎ ዘሎ ሓበሬታ ናብ እኒ ጃዋሃር ናይ ምብታን ልዕልና ስለዘለዎ እዩ። ዘመኑ ምሽጥር ናይ ምዕቃብ እንተይኮነስ ኣቀዲምካ ናይ ኣጀንዳ ልዕልና ምሓዝ እዩ። እቲ ዝኒሄ ኩነት ዘፍርሓናን ዘዳህልለናን ክከዉን የብሉን፤ ናብ ናይ ተጋሩ ሓድነትን ኣሻናፍነትን ክልወጥ ኣለዎ።

እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ድማ ከምወርቂ ተፈቲና ብዓወት መሰስ እንብለሉ ክከዉን ኣለዎ።  መሪሕነት ህወሓት  ዓመፅቲ ሓይልታት ኦሮምያ ኣደብ ዘይገብሩ እንተኮይኖም  “ተዓገስ ገብራይ“፣ “ሕኑቅ እንታይ  የዉፅእ ዓፍራ“ ዝዓነቶም ናይ ቅዋም መግለፂ እዉን የድልዮም እዩ ።ስምዒትን ጉራ ንምግላፅ ኣይኮነን፤ ኣደብ ንክገዝኡ እምቨር፤ ፈሊጠም ክገጥሙና ኣለዎም።ኣይተ ዘራኣይ ኣስገዶም፣ ተለቪዝን ENN ዛሚ ራዲዮ ዝገበርዎ ግብረ መልሲ ፍናን ዘስንቅ እዩ ።ጫጨው ድማ ኣቢልዎም፣ ሓይልና ንዳሓር ዝበል ምልእክቲ ክመሓለፈሎም ይግባእ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ተጋሩ ድማ ኣካላዊን ስነ ልቦናዊ ጥቅዓት ከይበፅሖም ብግዚኡ ጥንቃቀ ምግባር የድሊ፤ ካብ ናይ ጎንደር ስሕተት ንምሃር። ተጋሩ ድማ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጲያ ተንቀሳቂስና ምስራሕን ምንባርን መሰልና እካ እንተነበረ፤ ምስ እዚ ተፈጠሩ ዝንሄ ሃዋህው ዓርስኩም ንምክልካል ክትበሉ እታ ዝርካብኩም ሃፍቲ ሕዝኩም ቀስብቀስ ናብ መረበትኮምን ምምላስ ከድልየኩም እዩ። ብሓይሊ ምስ እትባረሩ ኣብ ባዓልኩም፣ ቤተሰብኩምን መንግስቲ ትግራይ ናይስነልቦናዊ፣ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊ ኣሉታዉ ተፅዕኖ  ስለእትፈጥሩ። እቲ መፍትሒ ክኮን ዝግበኦ ዘፍረኩማ ሃፈቲ ሕዝኩም ብትሉምን ብናይ ባዕልኩም ድሌት ናብ መረበትኩም ምምፃእ ከድሊ እዩ፤ መሰረትኩም ኣብ ትግራይ ገይርኩም ኣብ ሙሉእ ኢትዮጲያ ምስራሕ ይካኣል እዩ።

ትግራይ ምንም የብላን ፣ንንሮ ኣይትምቹን ዝብል ዝተሳሓሓተ ኣባሃህላ ግዜ ዝሓለፎ እዩ። ትግራይ ቡቅዕንዘኩርዕ ታርክ፣ ዉህድ ህዝቢ ኣለዋ። ፀጋታትና ኣይነቃልሎም፤ ናይ ሓደ ህዝቢ ዓበይቲ ፀጋታት ዝባሃሉ ኣብ ናይ ሳባት ሓንጎል፣ናይ ትሕቲ ምድሪ ሃፍቲ (ሓፂን፣እምኒ ፋሓም፣ወርቂ፣ስምንቶን ነዳዲ)ን ጂኦፖለቲካዊ እዮም። ትግራይ ድማ በዚኦም እትንእስ ኣይኮነትን፤ ናይ ትምህርትን ተክኖሎጂ ዓቅምና ድማ ቀልጠፍካ ክእረም ዝክእል እዩ። ናይ ምግቢ ውሕስና ጉዳይ ጠንክርና እንተሰርሕና ዘሽግረና ኣይኮነን፤ ገንዘብ እንተልዮካ ዝሽመት እዩ፤ ዓለም ናይ ምግቢ ሽግር የብላን ናይ ምግዛእ ዓቅሚ እመበር።

ናይ ምግዛእ ዓቅም እንተፈጠርና ናይ ኦሮሞ ጣፍንቡና ናብይ ክይከደና ተይፈተዉ ኣብ

ኦም ክሸጡልና እዮም፤ ካብና ሶማሊያ ንማሃር ገንዘብ ስለዝሓዙ ንናይ ኦሮሞ ጫት ብናይ ኬነያ ብምቅያር ኦሮሞ ልክዖም ክፈልጡ ግይሮሞም እዮም።ሕዚ ግን ጣፍን ቡናን መደርዕን ንርእሰ ምትሓት ዉሕዳት ዘይባሃሉ ተጋሩ ምክንያት ይከዉን ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ክምዝክእል ብፖሊሲ ዓርሲ ምርኮሳ ክነብር ከምዝክእል ኣብ ናይ 17 ዓመታት ቃልሲን 1977 ድርቅ ዓብይ መርኣያ እዩ፤ህዝቢና ታርክ ምስራሕ ልማዱ እዩ፤ ሰለዚ ኣብ ኢትዮጲያ ህውከት እንተበዚሑና ነቶም ሃወክትና ወጊድ (ኣበይ እዝጊ እንኮረዮም ደስ ዝበሎም ይግበሩ) ክንብሎም ይግባእ፤ ናይ ኦሮሞ ፖለቲካ ብከበሮ ገዲፈን ብሕንብጣ እዩ።

ሰላም ንኢትዮጲያ!!

******************

ንሓሳባትኩም ብ [email protected]ን facebook page ኣቢልኩም ላኣኩለይ!

Guest Author

more recommended stories