ኣብቶም ዝሓለፉ 3ተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ዶባት ኢትዮ ሱዳን ብዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣቢሎም ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣተው ልዕሊ 180ሽሕ ተጉዓዝቲ ምርመራ ኢቦላ ተጌሩሎም ከምዝኣተው ተገሊፁ፡፡
ኣተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻል ሕማም ኢቦላ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዶክተር ኣላይ ብርሃነ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝበልዎ ኣብቶም ዝሓለፍ 3ተ ኣዋርሕ ኣብ ዶብ ኢትዮ ሱዳን ፍሉይ ሽሙ ዲማን ልጉዲን ጉጅለታት ምርመራ ሕማም ኢቦላ ብምጥያሽ ንተጉዓዝቲ ምርመራ እናካየደ ፀኒሑን ኣሎን፡፡
ካብ መንጎ እቶም ተጉዓዝቲ ዜጋታት ሃገራት ቻድ ሱዳንን ናይጀሪያን ከሙኡ’ውን ኢትዮጵያውያንን ይርከቡዎም ዝበሉ ዶክተር ኣላይ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ምልክት እቲ ሕማም ዘለዎ ተጉዓዚ ከምዘይተረኸበ ድማ ገሊፆም፡፡
መንግስቲ ፌደራል እቲ ሕማም ብዶባት ኣቢሉ ከይኣቱ ኣድላይ ፃዕርን ቅድመ ምክልኻልን የካይድ’ሎ ዝበሉ ዶክተር ኣላይ ብደረጃ ዞባ ንኪኢላታት ሕክምና ኣብ እንታይነት እቲ ሕማም ስልጠና ከምተውሃበ’ውን ኣረዲኦም፡፡
*******
Source: DmtsiWeyane
Leave a Comment