ፍልጠት ዝሰፍር ‘ነቢይ’! – ተጋዳላይ ተኽለብርሃን (ዶ/ር)

(ተጋዳላይ ተኽለብርሃን (ዶ/ር)

አብ ሕታም መበል 44 ሕታም ወራይና አብ እትበሃል መጽሄት ትግርኛ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር እታ መጽሄት ጌታቸው አረጋዊ አብ ዝገበርኩዎ ቃለ መሕትት ንባዕሎም “ ማህበር አግአዚያን” ብዝብል ስም ሂቦም ዝንቀሳቐሱ ሰባት፡ ተጋሩ ብዝምልከት ዘልዕልዎም ሓሳባት ተሞርኪሱ ዘለኒ ምልከታ (Reflection) ክገልፅ ንዘቕረበለይ ሕቶ ጥቕልል ብዝበለ መንገዲ እዘን ዝስዕባ ጉዳያት አልዒለ ምንባረይ ይዝክር፡-

1. “አግአዚያን” ዝብል ናይ ታሪኽ አምር (Social Construct) አለዎ ንፈተሾ ዝብሃል እንተኾይኑ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፅናዕን ብመንጽር አብ ምስጓም ሕብረተሰባዊ ዕብየት ብዝህልዎ ረብሓ ክምዘን ከምዘለዎ

2. ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍጣር ዝተልዓለ ጉዳይ እንተኾይኑ ድማ አብ ኢትዮጵያ ዝግበር ምንቅስቃስ ከምዃኑ መጠን ካብ ሕብሕብኢተይ ወፂኡ ሕግን ስርዓትን ብዝተኸተለ መንገዲ እስካብ ዝኸደ ሕገ መንግስታዊ መሠል ምዃኑ፡፡

3. ኮይኑ ግን ንባዕሉ ናይ አግአዝያን ምንቅስቃስ መራሒ ገይሩ ዝሓሰብ ብናይ ዩቲዩብ ሽሙ ተስፋፅዮን እንተዘይተጋግየ ብናይ ወለዱ ሓቀኛ አፀዋውዓ ድማ “እዮብ” ካብ ዝብሃል ኤርትራዊ አበሃህላን ቅዋምን አንፃር ክዕቀን እንከሎ በዘን ዝስዕባ ምኽንያታት እቲ ሓሳብ ናይ ሕብረተሰብ ምዕባለን ክውንነትን ንድሕሪት ንምጉታት ይውዕል ከምዘሎ ምርዳእ አገዳሲ ምዃኑ፡፡

ሀ. ብናይ ተስፋፅዮን አረአእያ ህዝቢ ትግራይ ማለት እቲ ብአሽሓት ዓመታት ዝተሃንጸ ናይ ኩናማ፣ ሳሆን ትግርኛን ተዛራቢ ውሁድ መንነት መግለፂ እንተይኮነስ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ተዛራቢ ክፋል ሕብረተሰብ መንነት ጥራሕ ጌሩ ዝቖፅር፤ ከምኡውን ትግራዋይነት ብሃይማኖት ዘይፈላለ ፅኑዕ መሰረት ዝሃነፀ መንነት እንተይኮነስ ምስ ሐደ ዓይነት ናይ ሃይማኖት ክፋል ጥራሕ ዝተአሳሰረ መንነት ጌሩ ዝርኢ ከፋፋላይን ፀረ ህዝብን ቅዋም ብምዃኑ

ለ. ኢትዮጵያዊነት ናይ ተጋሩ መንነትን ኩርዓትን መግለፂ እንተይኮነስ ናይ ሕሶት መንነትን መከራን መግለፂ ጌሩ ዝስእል፤ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ አብቲ ብቓልሲ ኩሉም ህዝብታት ኢትዮጵያ እትህነፅ ዘላ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝዓሰላ ኢትዮጵያ እንተይኮነስ ልብን አእምሮን ዘዕበየ ህዝቢ ትግራይ አንኢሱ ናብ ቁሽት ቀይሕ ባሕሪ ዝሽጉጥ ድሑርን ተበላፂን አተሓሳሰባ ምዃኑ

ሐ. ንህዝብታት ኢትዮጵያ ከም ሕንጉጓይን ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪኻዊ ፀላእቲን ጌሩ ዝሰብኽ ፀረ ህዝብን ሰብን አተሓሳስባ ምዃኑ

መ. ወዲሰብ ዝብፅሖ ወዳዓዊ ሕብረተሰባዊ ምዕባለ ክሒዱ ንድሕሪት ናብ ዘበን እኒ እኒ (Stone Age society) ክመልስ ዝፅዕር ድሑር አተሓሳሰባ ምዃኑ ገሊፀ ነይረ

እዮብ ወይ ካዓ ተስፋፅዮን ነቲ ናተይ ናይ ሐሳብ ነፀብራቕ መበገሲ ጌሩ “ዘይፈልጥ ክንሱ ዝፈልጥ ኮይኑ ዝስሞዖ” ብዝብል ብዮቲዩብ ዝሃቦ መልሲ አሎ፡፡ አብዛ ሐፃር ፅሕፍቲ እዚአ ነቲ ንሱ (ተስፋፅዮን) ዝተዛረቦ ኩሉ ትሕዝቶ መልሲ ንምሃብ አይደለኹን፤ ይኹን ምበር ነቲ ናይ ተስፋፅዮን አተሓሳሰባ መሠረት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ እምነታቱ (Assumptions) ክሓትት ሃቂነ ዘቕረብኩዋ ምዃና ንመንበብቲ ክሕብር ይፈቱ፡፡

ብመጀመርታ ተስፋፅዮን ነታ ሒዝዋ ዘሎ ፕሮጀክት አብ ሽቶ ከብፀሕ ዘርእዮ ዘሎ ተገዳሽነት ሙሉእ ግዚኡ ድዩ ወፊዩስ ዋላ ትርፊ ግዚኡ ተጠቒሙ? ዝብል ሕቶ ብዘየገድስ ከድንቕ ይፈቱ፡፡ ቀፂለ ናይ ሐደ ሓሳብ ብሉፁነት ዝረጋገፅ ብዝተፈላለየ ናይ ስነ ሞገት ሓሳብ ተፈቲኑ እንትሓልፍን ቅቡልነት እንትረክብን ከምኡውን ካብቲ እቲ ነቲ ሓሳብ ዘፈልፈለ ሰብ ነፃ እንትወፅእን ጥራሕ ምኳኑ ተረዲኡ ተቓውምታት ንኽተአናግድ ድለውነት ክህልዎ ከተሓስቦ ይፈቱ፡፡

ብምስዓብ ተስፋ ፅዮን ካብታ መልሲ ንምሃብ ዝተጠቐመላ አርእስቲ ጀሚረ ዝተወሰኑ ሕቶታት ክልዕልን ንሓሳብ መርመርቲ ግዱሳት ሰባት ከወክስ ይፈቐደለይ፡፡

“ዘይፈልጥ ክንሱ ዝፈልጥ ኮይኑ ዝስምዖ” ዝብል ተስፋፅዮን ዝተጠቐሞ አርእስቲ ብሕቶ እስኪ ንመርምሮ

– ዘይፈልጥ ክንሱ ዝፈልጥ ኮይኑ ዝስምዖ ተኽለብርሃን ምዃኑ መን እዩ ፈሊጥዎ?

– ዝፈልጥ ኮይኑ ዝስምዖ ሰብ እንተሃሊዮ እቲ ዝስምዖ ሰብ ዘይፈልጥ ምዃኑ ዝፈልጥን ፍልጠት ዝሰፍር ነቢይን አሎ ማለት ድዩ?

– ንተስፋፅዮን ፍልጠት አብ ማሕበረሰብ እንታይ እዩ? ፍፁም ወይስ ተነፃፃሪ? ካብ ውልቀ ሰባት ዝፍልፍልን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝፈስስ ነገር ወይስ ሕብረተሰባዊ ህያውነት ዘለዎ ከይዲ? ኩሉ ግዜ ዝህነጽን ዝዓብን ወይስ ተመሊሱ ዝሓደረ ውዱእ ነገር? ወዘተርፈ
ብናተይ ምልከታ ፍልጠት ተነፃፃሪን ኩሉ ጊዜ ዝምዕብልን ናይ ሕብረተሰባዊ ህያውነት ነፀብራቕን ከምኡ ውን ብለዘባን ምይይጥን (interaction and discussion) አብ ዘይቋርፅ መስርሕ ዝህነጽ (Social construction) እምበር ሐደ ምሁር እየ በሃሊ ወይ ድማ ይፈልጥ እየ በሃሊ አፈልፊልዎ ናብቲ ዘይፈልጥ ከም ማይ ዝምላእ ነገር አይመስለንን፡፡ ካብዚ አንፃር እዛ ናይ ተስፋፅዮን አርእስቲ በዘን ዝስዕባ ምኽንያት ስክፍታታት ፈጢራትለይ አላ

– ተስፋፅዮን ፍልጠት ሓንቲ እያ፤ ንሳውን እታ አነ ዝብላ እያ፤ ስለዚ ሱኽ ኢልኩም አድምፁኒ ይብለና ዘሎ ይመስል፡፡ ብናይ ተስፋፅዮን ምልከታ ፍልጠት ብልዝብን (interaction) ምይይጥን (dialogue) እትዓቢ ህያውነት ዘለዋ ነገር ዘይኮነትስ ናይቲ ሓሳብ ዘበገሰ ሰብ ቀዋሚት ንብረትን ብዘላቒ ካብኡ ጥራሕ ናብ ታሕቲ እትፈስስን ነገር እያ፡፡

– ብናይ ተስፋፅዩን ምልከታ “አግአዝያን” ዝምልከት በዓል ንብረት ኮይኑስ ንሱ ከምህር ንሕና ክንመሃር፣ ንሱ አንፈት ከትሕዝን ክገርሕን ንሕና ክንግራሕ፣ ንሱ ናይ ፍልጠት ዘውዲ ሰቒሉ ፈረስ ክስርር ንሕና ደድሕሪኡ ከም ማይ ክንፈስስ ይደሊ አሎ ማለት እዩ፡፡

አብቲ ብዩቱዩብ ዝለቐቆ መልእኽቲ ቅድሚ እቲ ምላሽ ምሃቡ ንህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ማዕዳ’ውን ተስፋፅዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ልቢ ከምዘጥረየ ክነግረና ፈቲኑ እዩ፡፡ እዚ አብዝሓለፈ ሰሙናት አብ ናይ ኢትዮጵያ ዩኒቨርስታት ተፈጢሩ ዝነበረ ሽግራት መበገሲ ብምግባር ተስፋፅዮን እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ማዕዳታት ለጊሱልና አሎ፡፡

1. አብ ተጋሩ ዝኾነ ዓይነት ተፅዕኖ ይፈጠር ተምሃሮን መናእስያት ተጋሩ ብትዕግስቲ ክሓልፍዎ ከምዝግባእን ፀገማቶም ብውድቦም ህወሓት አቢሎም ንምፍታሕ ክንቀሳቀሱ ክምዘለዎም

2. ህውሓት ካብ ትግራይ ወፃኢ ተመዲቦም ዘለው ተጋሩ ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ከምቲ ኦህዴድ ናይ ኦሮሞ ተምሃሮ ናብ ጅጅጋ ከይኸዱ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናብ ትግራይ ክመልሶም ከምዝግባእ

3. እቲ ዝረአ ዘሎ ሽግር ኢትዮጵያ ትብሃል ሃገር ፅውፅዋይ ምኳናን ከምዘየላን ትማሊ’ውን ከምዘይነበረትን ተፈሊጡ ተጋሩ ዝማዕበለት ትግራይ ከሃንፁ ከተኩሩ ከምዘለዎም ዝብል እዩ፡፡

ተስፋፅዮን ቅድሚ ሐዚ ህወሓት ንህዝቢ ትገራይ ናብ ፀገም ዘውደቐ ውድብ እዩ እናበለ ፀኒሑ ሐዚ ከም ውዳበ ተጋሩ ጌሩ ምግላፁ ናይ ሓሳብ ሽኻል አልቦነት ዘስምዕ እኳ እንተኾነ ካብተን ማዕዳታት አብ ቑፅሪ ሐደ ዝተቐመጠት ትድገፍ ሓሳብ ኮይና ረኺበያ አለኹ፡፡ እተን ክልተ ማዕዳታት ግን አብታ ፀገማ ዘይትሓብእ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ግዝያዊ ስነልቦናዊ ፀቕጢ ብምምዝማዝ ህዝቢ ትግራይ ተስፍኡን ናይ መንነቱ አካልን ካብ ዝኾነ ኢትዮጵያዊነት ንምንፃል ዝተወጠነ ፍሕሶ ስለዝኾነ ብናይ ተጋደልቲ አበሃህላ “አንጠርናካ አለና” ብዝብል ምዕፃው ዝከአል ዋላ እንተኾነ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ብምልዓል ናይ ተስፋፅዮን ፕሮጀክት ብዕምቆት ክንፍትሽ ይዕድም፡፡

1. ተስፋፅዮን ከምቲ ንሱ ንነብሲ ርእሱ ዝምዝና ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ዝተርነዐ ልቢ ስለዘጥረየ ድዩ ንማዕዳ ዝሃፀፅ ዘሎ?

2. ህዝቢ ትግራይ ናይ መንነቱ መግለፂን መሠረቱን ካብ ዝኾነት ሃገር ነፂልካ ናብ ከረጢት ኤርትራ አእትዩ ንኽሓስብ ዝግበር ዘሎ ስነ አእምሮአዊ ኩናትከ ናይ መን ፕሮጀክት እዩ?

3. እዚ ፕሮጀክት እዚ ንተስፋፅዮን ናይ ሙሉእ ጊዜ ስርሑ ድዩ ወይስ ናይ ትርፊ ጊዚኡ ስረሑ? ናይ ሙሉእ ጊዚኡ ፕሮጀክት እንተኾይኑ እንተዘየሰሪሕኻ ንሓንቲ ለይቲ እኳ ክትሓድር አብ ዘይከአለላ አውሮጳ ኮይኑ ከመይ ይነብር? መንከ እዩ ዝምውሎ ዘሎ?

4. ብሓደ ገፅ ብእኒ ተስፋየ ገብረአብ ዝምራሕ “አብ ኢትዮጵያ ናይ ተጋሩ ልዕልነት ነጊሱ” ዝብል ሕምስምስ ብምፍጣር ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን አሕዋቱ ንምንኻስ ዝተወለዐ ወፍሪ ብኻልኢ ገፅ ድማ ብተስፋፅዩን ዝምራሕ “ተጋሩ ብሉፃትን ስልጡናትን ህዝቢ ኢኹም ምስ ዘይመፃምድኹም ኢኹም እትነብሩ ዘለኹም ስለዚ ንዑ ምሳና ተፀንበሩ” ብዝብል አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ ናይ ስነ አእምሮአዊ ኩናት ብድሕሪት መን እዩ ዝመርሖ ዘሎ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት አልዒልካ ምርአይ አድላይን እዋናውን ጉዳይ እዩ ኢለ ይሓስብ፡፡

ተስፋየ ገብረአብ ናይ ፕረዚዳንት ኢሳያስ አፈወርቂ ስነ አእምሮአዊ ኩናት ፕሮጀክት መፈፀሚ ምዃኑ ፀሓይ ዝወቐዖ ዓዲ ዝፈለጦ ሓቂ ስለዝኾነ ተወሳኺ ምርመራ አይድልዮን ኢለ ይአምን፡፡ እቲ አገዳሲ ጉዳይ ግን ናይ ተስፋፅዩን ፕሮጀክት ምስ ናይ ተስፋየ ገብረአብ ወፍሪ ዘለዎ ምትእስሳር እንታይ እዩ? ዝብል እዩ፡፡ እንተኸማይ ምፅሓፍ ዘይለመደ ተስፋፅዮን ዩቲዩብ ተጠቒሙ ጎበዝ ፀሓፊ ዝኾነ ተስፋየ ገብረአብ ድማ ብሊትሬቸር አቢሉ ካብ ምግላፆም ዝሓለፈ ትሕዝቶኦምን ዕላመኦምን ሐደ እዩ፡፡ ኩሉም ኢትዮጵያ እትብሃል ዓዲ እንተኺኢሎም ክትበታተን ብምግባር እንተዘይኪኢሎም ድማ ብምድኻምን አብቀፃሊ ነውፂ ብምፅማድን ብምስለ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ዝተቐረፀት ጎብለል ዞባዊ ግዝአት (Regional empire) ንምፍጣር እዩ ዕላማኦም፡፡ ካብዚ ዝሓለፈ አብ ሞንጎ ፕረዘዳንት ኢሳያስ፣ ተስፋፅዮንን ተስፋይ ገብረአብን ዘገርም ናይ ስብእና ምምስሳልውን ምዕዛብ ይካአል፡፡ ኩሉም ንባዕላቶም ፍልጠት ዝሰፍሩ ናይ ዓለም ነቢያት ገይሮም ዝቆፅሩን አብ ፅውፅዋይ ዝነብሩን አምባገነናት ምዃኖም፤ ከምኡውን ንሰብን ሕብረተሠብን ክብሪ ዘይብሎምን ዝፅየፉን ናይ ስብእና ሕሙማት (Psychopaths and sociopaths) ምዃኖም እዩ፡፡

********

Daniel Berhane: Daniel Berhane

View Comments (1)

  •  አነ ግን እዚ ሰብአይ ካባኩም ከም ዝሕሽ እየ ተረዲኤዮ፡፡ ምክንያቱ ትግራዋይ በቢዝከዶ እንትሕረድ ንስካትኩም ዋላ ሓንቲ አይበልኩምን፡፡ እንተንኢሱ ግና ተስፋፅዮን በላ እዮብ ብሓሳብ ብትንትን ኢላ እነበረት ትግራይ ናብ ሓደ ትግራዋይነት መንፈስ ንክትእከብ ጌሩዋ እዩ፡፡ ንስካትኩም ካብ አሕዋትና ፈሊኩም በይንና ክንነበር አደዳ ፀላእቲ ጌርኩምና፡፡ ነብሲ ይምሓር ዝብሎ ዘይብሉ በብዝከዶ ይቅተልን ብሓቂ ይቃፀልን ድማ አሎ ትግራዋይ፡፡ አረ እታ አፍኩምሲ አይትዓርፍን፡፡

Leave a Comment

This website uses cookies.