ህዝባውነትን ውልቃውነትን ኣይተ ዳዊት ሚዛን ይሓዝ!

ኣይተ ዳዊት ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ትግራይ ዝሃቦ ሪኢቶታት ናብ ሚድያታት ወፅዮም ኣለው፡፡ ተጋሩ ከኣ ዘዝመሰሎም ሓሳባት ክህቡ ቀንዮም፡፡ ፈለማ ኣብ ዓይጋ ፎሮም ዝወፀ ቃለ- መሕተት ኣይተ ዳዊት ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስእነት ሰናይ ምሕደራ፣ ስእነት ተሳልጦ ዘለዎ ኣሰራርሓ፣ ናይ ኣመራርሓ ፀገማት፣ ስደት፣ ስእነት ስራሕ፣ ናይ ዕብየት ምጉዳል ተዛሪቡ፡፡ ብዙሓት ሓቁ ኢሎም፡፡ ኣይተ ዳዊት ውልቃዊ ቅሬታ ክህልዎ ይክእል እዩ ኢልካ ትቑጠበሎም ነገራት እንተሃለዉ ውን፤ እቶም ዝበሎም ፀገማት ኣብ ባይታ ሰለዘለዉ ሓቁ ኢልና ተቐቢልናዮ፡፡ ዳዊት ከም በዓል ሃፍቲ መጠን ኣብ ልምዓት ሃገሩ ዝገብሮ ዝነበረ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ሓገዛት ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣፍ ኣውፂኡ ፀገማት ኣለዉ ምባሉ ወን ዝነኣድ እዩ፡፡ በዚ ድማ ከድንቖ ይፈቱ፡፡

እንተኾነ ግን ዳዊት ኣብቲ ናይ ፈለማ ቃለ መሕተት ኣዘራርብኡ ትክክል ኣይነበረን፡፡ ሓደ ነቲ ብላይ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ከምዚ ምድናቅ ዝዓይነቱ መንፈስ ኣርእዩ፡፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ውን እቲ ኣዘራርብኡ “ወያነ … ወያነ” እንዳበለ ንነብሱ ኣርሕቕ ኣቢልዋ፡፡ ካብኡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ህወሓት ተዛሪቡ፡፡ ምዝራቡ ፀገም የብሉን ኩላትናስ ንዛረብ ኣለና እንዶ! ግን ምስ ድሕረ-ባይታ ዳዊት ተኣሳሲሩ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ህወሓት እገለ ይውረድ እገለ ይሸዮም ክብል ከሎ ንእሽተይ ዘተዓዛዝብ እዩ ክትብል ትግደድ፡፡ በቲ በለ በቲ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ቃለ-መሕተት ዳዊት ወይ ፖለቲካዊ ብሰለት ይሓፅሮ እዩ ወይ ከኣ ናቱን ናይ ካልኦት ኣጀንዳ ሓዋዊሱ ኣብ ኣዘራርባ ፀገም ፈጢሩ ኢልካ ምስቲ ዘርኣዮ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ተገዳስነት ዘተሓሰስብ ጌጋ ኣይፈፀመን ትብሎ ዓይነት ነይሩ፡፡

ደሓራይ ምስ ሪፖርተር ዝካየዶ ቃለ-መሕተት ግን ካልእ ዓይነት ኮይኑ፡፡ ዳዊት በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳር ክሓርቕ ንቡር እዩ፡፡ ኩላህና ጦቕ ኢልና ኣለና፡፡ ነቲ ምምሕዳር ምውቃሱ ግቡእ እዩ፡፡ ከም በዓል ሃፍቲ ዝግብኦ ክፍፅም ተዳልዩ እንዳሃለወ ገለ ዕኑዳት ኣመራርሓ ፀገም ኣይፈጥሩን ኢለ ሰለዘይኣምን ክዛረብን ክወቅስን ሓቁ እዩ ትብል፡፡

ሐዚ ወን ስእነት ስራሕ ክቐርፍ፣ ስደት ከትርፍ፣ ንመናእሰይ መዘናግዒ ማእከል ክተክል፣ ማእከል ምርምር ባህልን ቋንቋ ከጣይሽ ምድላዩ ፅቡቅ ተበግሶ ኮይኑ እንደሃለወ፤ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙኒ ዝብሎ መኻልፍ ዝሓዞ መርገፂ ግን ሚዛኑ ዝሰሓተ እዩ፡፡ እሺ ፀገማት ኣለዉ ንበል እቶም ኣማሓደርቲ ውን ዓቕሚ ይሓፅሮም እዩ እልና ንውሰድ፡፡ እዚ ደኣ ኣሞ ከመይ ጌሩ 40 ዓመት ንድሕሪት ተመሊስካ ህልው ኩነታት ምስ ዘበነ ሃይለስላሴ እንዳነፃፀርካ ስርዓት ሃይለስላሴ ይበልፅ ነይሩ ከብል ይኽእል?

ኣይተ ዳዊት ኣብ እዋን ሃለስላሴ ንስካን ከማካ ዝበሉ ደቂ ላዕሎወት መደብ ቤት-ትምህርቲ ኣቲኹም ፀባ ትሰትዩ ነይርኩም፡፡ ምስኪን ትግራዋይ ግን ብምስለነን ጭቃ ሹምን እንዳተፀፍዐ ኣይኮነን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ፀባ ክሰቲ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ውን ክርእ ዕድል ኣይረኸበን፡፡ ወረ ሓምሊ ምብላዕ ተሳኢንዎ ብህማን ካልኦት ተላገብቲ ሕማማትን ይሳቐይ ነይሩ፡፡

ሰላም ከኣ ኣብ ሃይለስላሴ ጥራሕ እዩ ነይሩ ትበልና ኣለካ! ብውነካ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ? ሰላም ማለት ትርጉሙ ነዓካ እንታይ ድዩ? ህዝቢ ትግራይ ዘፍረየ ከይበልዕ ብሸፋቱ እንዳተመጠለ፤ ትግራወይቲ ኣዶ ማይ ክተምፅእ ናብ ሩባ ወሪዳ ዘይትምለሱ ዘመን ዶ ኣይኮነን ዘመን ሃይለስላሴ? እን ኣፍተራሪ ቀኛዝማች ህዝቢ ባርያን ቡዳን እንዳበሉ ንነብሶም ሰማይ ሰቒሎም ብሓሻኽሮም ሰብ ዘሳቕይሉ ዶ ኣይኮነን ስርዓት ሃይለስላሴ? ህዝቢ ትግራይ ብወተሃደራት ሸዋን ነፍረቲ እንግሊዝን ዝተጨፍጨፈ ብስርዓት ሃይለስላሴ ዶ ኣይኮነን?

ትምህርቲ ከኣ ብስርዓት ሃይለስላሴ ይበልፅ ኢልካና፡፡ ፅቡቕ ንስካትኩም 3ይ ክፍሊ እንዳሃለኩም እንግሊዘኛ ትፅሕፉ ነይርኩም፡፡ እዚ ከም ኩርዓት ሓሲብካ ኮሪዕካሉ፡፡ ንስኻትኩም ብትግርኛ ክትመሃሩን ክትሓስቡን ኣይፈቀደኩምን ዝነበረ፡፡ ታሪክ ጀጋኑኩም ተጋዲሉ ታሪክ መሳፍንቲ ሸዋ ከም ውዳሴ ማርያም እንዳደኩም ባፂሕኩም፡፡ ደሓር ገሊአኹም ንባዕልኹም ሓራ ኣውፅኢኩም ገሊአኹም ከኣ ኣብኣ ኣለኩም፡፡ እንጅነራት ሃይለስላሴ ከኣ ካብቶም ናይ ሐዚ ይበልፁ ኢልካና፡፡ ኣዲስ አበባ ፓሪስ ክገበርዋ ተዳልዮም ነይሮም ኢልካና፡፡ እወ ዋላ ፓሪስ ኣይገበርዋ ክለን ዝሰርሕወን ግን ኣዲስ ኣበባ ነይረን፡፡ ግን ከመይ ጌርካ ደፊርካ ክተወዳድሮም መሪፅካ? ናይ ሃለስላሴ እንጅነራት ጠማማ ፎቕ ይሰርሑ ናተይ ወለዶ እንጀነራት ከኣ ኮምፕዩተር ስፍትዌር፣ ሰብ ኣልቦ ኣውሮጵላን፣ ሮኬት ኣብ ምስራሕ ይርከቡ፡፡

ዳዊት ግን ናይ ብልብካ ዲኻ ወይስ ከይተፈለጠካ ኢካ ከምቲ ገለ ሙሁራን እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ከም ዝብልዎ ሃይለስላሴ ኢትዮጵያ ካብ ዘመነ ኣድጊ ናብ ዘመነ ኣውሮጵላን ዘሸጋገረ ንጉስ ኢልካ ኣኽብሮት ኣለኒ ትብል ዘለኻ? ንሃይለስላሴ ከም ውልቀ ሰብ ክተኽብሮም መሰልካ እዩ ክተሰግደሎም ውን ትኽእል፡፡ ግን ከ ዳዊት ንህዝቢ ትግራይ ወኪልካ ኣብ ትዛረበሉ መድረኽ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት እንዳረገፈ ንሱ ካብ ለንደን ን 80 ዓመቱ ኬክ ብኣውሮፕላን ኣፅዒኑ ዘመላልስ ዝነበረ ንጉስ ክተኽብሮ መስል የብልካን፡፡ ነቲ ህዝቢ ካብ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ክመሃር የብሉን ኢሉ ኣዋጅ ዘውፀአ እከይ ስርዓት ክተድንቖ ጋዶ እዩ::

ዳዊት መረፃ ከኣ ምስ ሃይለሰሴ ኣወዳዲርካዮ! ናይ ኣቦኻ ምረፁኒ ቅስቀሳ ወረቐት እንዳርኣኻ ውን፤ ሎሚ ካብ ዘለዉ ኣባላት ፓርላማ ዋላ ሓደ ከምዚ ዝበለ ፅሑፍ ክፅሕፍ ዝኽእል የለን ኢልካ፤ ዓይንኻ ብጨው ሓፂብካ ነቲ ሰብ ልዑልን ትሑት ጌሩ ዝርዒ ናይ በዓል ኣቦኻ ሰርዓት ኒኢድካዮ:: ነቲ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣእላፍ ሙሁር ከኣ ብናይ ኣቦኻ ብጣሽ ወረቐት ለኪዕካዮ? እዚ ጉድ እዩ!

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብውንኡ ድዩ እዚ ዳዊት ዝዛረብ ዘሎ ዘበለኒ፤ ንደርጊ ደርጊ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና ኢልካ ዝተዛረብካዮ እዩ፡፡ ኣንታ ዳዊት ወዮ ድኣ ብፍቕሪ መስፍንነት ዓዊርካ ከይትኸውን እምበር፤ ህዝቢ ትግራይ ንምታይ ከም ዝተቓለሰ ዝርዝር ኣፍልጦ ኣለካ ዶ? ከመይ ጌርካ ደርጊ ዝፈፀሞ ኢሰብኣውን ዓለም ዘደንፀወን ተግባር ምስ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ክዋፃእ ነይርዎ ኢልካ ቅብኣ ቁዱስ ትቐብኦ? ብበሱሩ ኸ ንደርጊ መን ሓላፍነት ሂብዎ? ኣረ ይብርሃካ ድዩ ዘሎ ደርጊ ዝገብሮ ዝነበረ? ደርጊ ኮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ኣይኮነን ይሰርሕ ነይሩ? ኣይኮነሉን እምበር ዘርእና ናይ ምጥፋእ ሙኮራ ውን ኮ ኣካይዱ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ዳዊት ሓወይ! ንሰለ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እጃምካ ክተበርክት ሙቹው ኩነታት ክፍጠር ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ናይ ምሕደራ ጉድለታት ክፍትሑ ትቃለስ እንተሃሊኻ ንየው ነጀው ኣየድልዮን፡፡ ብጀካ ሓደን ክልተን ውሑዳት ተጋሩ ዝበዝሕ ኣብዚ መሰርዕ ዚ ኣሎ ንተሓጋገዝ፡፡ ከምቲ ዝበልካዮ ነዚ ስርዓት ክትቃለስ ቆሪፅካ እንተተላዒልካ ግን ንፁር ኣሰላልፋ ከድሊ እዩ፡፡

ኣብ ናይ ህዝቢ ስምዒት ኣቲኻ ከምቲ ሐዚ ትዛረቦ ዘለኻ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብኣግባቡ ዘይተረድአ ኣከያይዳ ክንፀር ክኽእል ኣለዎ፡፡ ነተን ፀገማት ተጎዝጊዝካ ሓረድትና ፀላእታትናን ስርዓታት እንዳሞገስካ ብቑስሊ ህዝቢ ትግራይ ምልጋፅ ኣይከድልን እዩ፡፡ ዝብሎ ዘለኹ ግልፂ እዩ እተን ፀገማት ንዓኻ ንከኽንዲ ኣቦይ እዝጊ ትኸውን ሃፍታም ኣይኮነን ንማንም ሰብ ውን ዝረኣያ እየን፡፡ ነዐዐን ሒዝካ ኣብ ታሪኽናን ቃልስናን ክለሳ ዘካይድ ቃልሲ ክትገብር ትሓስብ እንተሃሊኻ ግን መመንገድና ዝሓወይ፡፡

ነዚ ከኣ ቃልስኻ መልክዕ ዘለዎ ቅርፂ ሒዙ ክትቃልስ ትኽእል ኢኻ፡፡ እንተስ ኒቲ ዝተስዓረ ፊውዳል ስርዓት መሊስካ ክተክል፤ እንተስ ሃፍታም ዝውንኖ ማእከላይ መደብ ከም መሳርሒ ዝጥቀም ሓድሽ መስፍናዊ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት ክትተክል መሰልካ እዩ፡፡

***********

Mahari Yohans: Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at mahariyohans2020@gmail.com

View Comments (4)

  • ኣነ ዝገርመኒ ዘሎ ነገርሲ… መልስታት መራሕቲ ህወሓት ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ሓደ ክኾን ብመፅሓፍ መልክዕ ድዩ ከም መምርሒ ወሪዱ ኾይኑ? Revised Edition እውን ድዩ እሞ ዘይብሉ?
    ቅድሚ 15 ዓመት
    ሕቶ ህዝቢ ትግራይ፡ (ኣብ ኩሉ መድረኽ ኣብ ኩሉ ቦታ (ከተማ ይኹን ገጠር) ባዕሎም እቶም ኣባላት እንተይተረፉ)
    ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ዳርጋ ኣብ ኩለን ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ወጥም ቅልቅል ይብል ኣሎ፣ ብኣጋ መፍትሒ ይገበረሉ፡ እንተበለ…
    መልሲ መራሕቲ ህወሓት፡
    “ ልክዕ እዩ እቶም ፀገማት ሓልሓሊፉ ይረኣዩ እዮም፡፡ ኣይረኣዩን ኣይንብልን፤ ኣብቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕርታት ግን ውስንነትን ድኽመትን ከምዘሎ ንሕናውን ዝተዓዘብናዮ ነገር ስለዘሎ ኣብ ቀፃሊ ብሰፊሑ ክንከዶም ኣለና ብዝብል ወሲድናዮ ኣለና“
    ቅድሚ 10 ዓመት
    ሕቶ ህዝቢ ትግራይ፡
    ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም እናሓደረ ይገድድ ኣሎ፣ ብግልፂ ክንድዚ ቅርሺ ተኸፊልካ ስረሕኻ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ክውድአልካ እየ… ካብኡ ንታሕቲ ግን ኣየወፅአንን ዝብል ኪኢላ (ጒሒላ) ይግብሉ ኣለዉ… ይስስኑ ኣለዉ መፍትሒ ይገበረልና
    መልሲ መራሕቲ ህወሓት፡
    “ ልክዕ እዩ እቶም ፀገማት ሓልሓሊፉ ይረኣዩ እዮም፡፡ ኣይረኣዩን ኣይንብልን፤ ኣብቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕርታት ግን ውስንነትን ድኽመትን ከምዘሎ ንሕናውን ዝተዓዘብናዮ ነገር ስለዘሎ ኣብ ቀፃሊ ብሰፊሑ ክንከዶ ከምዘለና ብዝብል ወሲድናዮ ኣለና“
    ቅድሚ 5 ዓመት
    ቅድሚ 10 ዓመት ዝሓተትናዮ ሕቶ መልሲ ኣይ ረኸበን፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መመሓደርቲ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ ስለዝኾኑ ኣብየት ተበልና ተመሊሱ ንባዕልና ይጎድአና ኣሎ፣ ሰማዒ ስኢና… በይዛኻቱም መፍትሒ ሃቡና
    መልሲ መራሕቲ ህወሓት፡
    “ልክዕ እዩ እቶም ፀገማት ሓልሓሊፉ ይረኣዩ እዮም፡፡ ኣይረኣዩን ኣይንብልን፤ ኣብቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕርታት ግን ውስንነትን ድኽመትን ከምዘሎ ንሕናውን ዝተዓዘብናዮ ነገር ስለዘሎ ኣብ ቀፃሊ ብሰፊሑ ክንከዶ ከምዘለና ብዝብል ወሲድናዮ ኣለና“
    ቅድሚ 1 ዓመት
    ሕቶ ህዝቢ ትግራይ፡
    ኣታ በይዛኻቱም ስምዑና ኣታ ተወረርና … አረ ፍትሒ፣ ኣረ ዳኛ ለለኻ…
    መልሲ መራሕቲ ህወሓት፡
    “ልክዕ እዩ እቶም ፀገማት ሓልሓሊፉ ይረኣዩ እዮም፡፡ ኣይረኣዩን ኣይንብልን፤ ኣብቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕርታት ግን ውስንነትን ድኽመትን ከምዘሎ ንሕናውን ዝተዓዘብናዮ ነገር ስለዘሎ ኣብ ቀፃሊ ብሰፊሑ ክንከዶ ከምዘለና ብዝብል ወሲድናዮ ኣለና“

    ሎሚ ዘበን
    ሕቶ ህዝቢ ትግራይ፡
    አይ…. አይ… አይ… ሰብ ዶ የለን ሰብ ዶ የለን
    መልሲ መራሕቲ ህወሓት፡
    ዓሻስያ ሓደ ደርፉ… ካሊእ ሕቶ ተለኩም ኣምፅኡ እዚ ፀገም ከምዘሎ ይፍለጥ እዩ ክንሪኦ ኢና እኮ ኢልናኩም፤ ዘረባ ተተደጋገመ እንታይ ይዓብስ ሓዱሽ ዘይተልዓለ ሕቶ እንተሃልዩ ክንሰምዐኩም ተዘይኮይኑ ህፁፅ መደብ ስለዘለና ግዜና ኣይትቕተሉልና
    ወይ መለስ!
    ናይ 50 ዓመት ናይ ዕብየትን ስግግርን ትልሚ እንተውፅእ እንታይ ኮን ኮይኑ እዩ ናይ 15 ዓመት ሕቶ ዝምልስ “መፅሓፈ መልሲ” ከይሓደገሎም ዝኸደ…
    ጉድ ገይርዎም ከደ ሓመዱ ይቕለሎ!
    ጋዶ!

  • I agree with issues Dawit raised about the present conditions in Tigrai, as the writer identifies it here I think Dawit lacks speaking carefully, to make a simple point he frquently brings unjustified comparison.....to speak about the quality of education in Tigrai he compares the quality with that of his time [which is natural thing to do], all of us say "Bi Gizena eko....", in doing so he forgot that few had the oppurtunity to go to school.....But I dont think that was his point, same goes for election.....we all know the elction is sham, and that is the point he wanted to pinpoint when he said individuals [his father as example], had the skil to articulate issues to be elected by the public......nowadays we all see that cadres only propagate as do parrots what came from the above.....all in all, forgiving his mis-spoken aspect, I think it is good he spoke and awake us all Tegaru......it is also not fair to scrutinize him as if he is a politician, I wish we do such scrunity to our leaders

Leave a Comment

This website uses cookies.