ምደባ ህወሓት ስራሕ ን መደብን ማእኸል ዝገበረ ዶ ወይስ ሰባት ማእኸል ዝገበረ?

Photo - A farmer, Tigrai, Ethiopia

(ጋረድ ይነበብ)

ካብቶም ሕዚ ዝተመደቡ ኣብ ዞባ ማእኸል ናይ ወረዳ ፈፃሚት ስራሕ እቶም 39 ፈፃሚት ንቲ ምደባ ኣይንቕበሎን ኢሎም።

ህወሓት ድሕሪ ተሃድሶ ምክያዱ ንወረዳ ፈፃሚት ካብ ሓደ ወረዳ ናብ ካሊእ ወረዳ ብምብዋዝ (ብምዝዋር) ምደባ ምክያዱ ዝፍለጥ ኮይኑ እቶም ኣብ ዞባ ማእኸል ካብ ሓደ ወረዳ ናብ ካሊእ ወረዳ ዝተመደቡ ሰባት እቶም 39 ንቲ ምደባ ከምዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሕዚ ሕዚ ኣብ እንዳ ህወሓት ምደባ ምስ እንጀራ ምስ ጥቕሚ እንዳደመርካ እንዳቐነስካ መደቡኒ ከምዝብሃልን ምደባ ከምዝካየድን ብርክት ዝበሉ ተርእዮታትን መግለፅን ዝረአየሉ ብርኪ በፂሕና ኢና።

ውድበይ (ህወሓት) ኣብ ዝመደበትኒ ተመዲበ ክሰርሕ እየ ክቃለስ እየ ኢልካ ተመዲብካ ምስራሕ ህዝቢ ምግልጋል ናይ ትማሊ ታሪኽ እንዳኾነ ይረአ ኣሎ።

ህዝብን ቓልስን ንጎኒ ጎሲኻ ኣብዚ ቦታ መዱቡኒ ወይእውን ንቲ ትደልዮ ሰብ ኣብ ምቾት ዘለዎ ናይ ወፃዒ ዕድል ዘለዎን ካሊእን ጥቕሚ ትረኽበሉ ክምደብ ብምግባር ስራሕን ሰብ ከይተራኸቡ ህዝቢ እንዳማረሩ ይነብሩ። ትኽክለኛ ሰብ ኣብ ትኽክለኛ ቦታ ከይተመደበ ይተርፍ።

ካብ መሪሒነት ህወሓት እንትወርዱ ብውልቅኦም ክሰርሑ ትካል ኣጣይሾም ብኽእለቶም ብልምዶም ብዘጥረይዎ ልምዲ ፍልጠት ተጠቒሞም ስራሕ ክፈጥሩ ኣይደልዩን። ምድብ ይፀበዩ። መሪፆም መዱቡና ይብሉ። እዚ ኣይደልን ፣ ኣብዚ ኣይምደብን ኢሎም፣ ቓሕ ኣብዝበሎም ይምደቡ።

እንዳተመደቡ እንዳተመደቡ ክሻብ መወዳእታ ሰዓት ይነብሩ። ክነዕርፍ ኢሎም ታሪኾም ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዝፈልጥዎ ክስንዱ ክፅሕፍ እኳ ኣይፍትኑን። እዚ እንዳረኣየን እንዳሰምዐን ዝነበረ ፈፃሚት ስራሕ ወረዳ ዞባ ማእኸል 39 ሰባት ንቲ ዝተመደብሉ እንተተቓወሙ ዝገርም ወይእውን ዜና ዝኾነሉ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን።

ጡሮታ ኣብዘይፍለጠሉ ዓዲ ንምንታይ ካብ ውድብ ስልጣን ወሪደ ኢሉ ከዕገርግር፣ ንምንታይ ካብ መንግስቲ ስልጣን ገሊሰ ኢሉ ክጠርዕ፣ ዕድመ ልክዑ ቢሮ ሓላፊ ኮይኑ ሰሪሑ፤ ሕዚ እውን ሓላፍነት ሃቡኒ እንዳበለ ቤት-ፅሕፈት ኣቦ-መንበር ዘንኳኹሕ ዝጉለት ክንርኢ እንከለና ንእንዳ ህወሓት ስልጣን ሱስ ግዲ እዩ ኢልና ተሓቢኢና ካብ ንሓሚ እኳ ቡዙሕ እንተገብርና ሎሚ ግን ስለዝበዝሐ ፊት ንፊት ክንገጥመሎም ወሲና ኣለና።

እንዳተገላበጥካ እንዳዘርካ ክትምደብ ምድላይ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ዕድመ ልክዕኻ በይንኻ ሓደ ትካል ክትመርሕ ምድላይ ድንቁርናን ንዕቐት ህዝቢ ዘለካ ምኻኑ መርኣያ እዩ። ቡሱሩ እውን ኣብ የትም ዓለም የልቦን። ትግራይን ተጋሩን ዝትምሃሩን ዝተመራመሩን ኣብ ዝበርከትሉ ግዜ ሕዴት ሰባት ዕድመ ልክዖም ዳተመደቡን ሓደ ትካል ክመርሑ ምፍቃድ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት የብሉን።

*******

Guest Author: Guest Author

View Comments (1)

  • እቲ ውድብ መግለፂኡ ኮይኑ ዝፀንሐ ከቢድ ዕንቅፋት እንትኮን ሐዚ ናብ ውድቀት ዝዳረጎን ተዛሪብካዮ ፈፂሙ ዘይሰምዐካን ሕማም እዩ አብ ኢህወደግን/ህወሓትን ብዓቅሚ ዘይኮነስ ብጥቅሚ ሰባት ምምዳብ፡፡ ብጥቅሚ ክባሃል ከሎ ሰባት ነቶም ሓለፍቲ ብዝህብዎ ግላዊ ጥቅሚ፣ አክብሮት፣ ምልእኣክ፣ ተኣዛዝነትን ብዝፍብርኩዎ ዝገርም ናይ ሓሲት ሪፖርትን ምደባን ዕብየትን ክካየድ ብምፅንሑ እታ ውድብ ናይ ለማሳትን ሙሽሙሻትን ኮይና ፀኒሓ፡፡ በዚ ምክንያት ካዓ እዚ ሐዚ እንሪኦ ዘለና ሰፍ ዜብል ፀገምን ሓፍረትን ክንጉልበብ ጌሩና፡፡ ውድብና እንብላ ንሕና ዘይናታ ንሳ ናትና እትመስለና ዘላ እናመሰለት ውሽጣ በሽቂጡ ከም ከም ዕንጨቲ ፓፓየ ሰፈር ባልዕን ነቀዛትን ኮይና፡፡ አብዚ እዋን እዙጥይ ህዝብና ትግራዋይ ብምኳኑ ጥራሕ ናብ ዝመሰሎ ዘይከደሉን እንደተደ እውን ተሰጉጉ ዝመፀሉን ተርእዮ ልሙድ ኮይኑ አሎ፡፡ ካልኦት ውድባት ከይውለዳን ከይጥነሳን ገና ካብ መህፀን አዶታተን እናሃለዋ ሓቂናን ወቂጣን ብምፅንጋፍ ትግራይ ፍትሒ አልባን ናይ ውሑዳት ሰባት መዕንደሪ ኮይና ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ ካዓ አደዳ በላዒ ሕንጉጓይ ጌራትና ትርከብ፡፡
    ገና ፀላእትና ብናይ መንግስቲ ሚድያ በቢዝተገበረ አኬባታት ስምና ከጥፍኡና ይውዕሉ አለው፡፡ ትግራዋይ ካብ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ቢሮታት ሓላፍነትን ታሕተዋይ ስራሕን ናይ ምፅርራግ ስራሕቶም አበርቲዖም ቀፂሎሙሉ ይርከቡ፡፡ ሎሚ ንትግራዋይ ዝከውን ፍትሒ አብ ሀገርና/ ኢ/ያ ጎረቤትና ሀገር ምባል ይሓይሽ ዝኮነ ይኩን ረብሓና ዘይክበረሉ መሰል ዝባሃል ነገር ዘይንሓተሉ ከምዜጋ ዘይንረኣየሉ ብርኪ ውድቀት በፂሕና አለና፡፡

Leave a Comment

This website uses cookies.