ህወሓት ከም ሕብሽቲ ብላዕልን ብታሕትን ብሓዊ ተኸቢቡ

(ጋረድ ይነበብ)

ህወሓት ኣብ ታሪtኹ ቡዙሓትን ብዓይነቶምን ዝተፈላለዩን ፈተንቲ መድረኻት በዲሁ ዝሓለፈ እኳ እንተኾነ ሕዚ ገጢምዎ ዝንሄ በዳሂ ኩነታት ግና ብውሽጥን ብደገን ብተባራዓይ ሓዊ ተኸቢቡ ወይ ንቲ ሓዊ ከጥፍኦ ወይእውን እቲ ሓዊ ንባዕሉ ኣቓፂልዎ በሊዒዎ ህወሓት ግዳይ ናይቲ ሓዊ ክኾን በዳሂ መድረኽ ኣብ ቕድሚኡ ጠጠው ዝበለ ይመስል።

I/ ውሽጣዊ ብድሆ ህወሓት።

ሀ/ ኣብ ኢህወዴግ

ካብ ቐረባ እዋን ጀሚሩ ብፍላይ ድማ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መሪሕነት ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ካብ ዝምረፁ እቲ ግንባር ዝፍለጠሉን መለለይኡ ዝነበሩ ኮምሌቲቨ ሊደርሽፕ፣ ሓደ ዓይነት መግለፂ ምሃብ፣ቐልጢፍካ መፍትሒ ምሃብ ሃዶሽደሽ ዝበሉ ይመስሉ። ብቐንዱ ድማ ኢህወዴግ ንነዊሕ ዓመታት ዝምረሓሉ ዝነበረ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ብተግባር እውን ኣብዛ ሃገር ለውጢ ዘምፀአ መስመር ልምዓት ዲሞክራሲ ዘመዝገበ ባዕሉ ንኢህወዴግ ዝመርሕ ዘሎ ኣመራርሓ ብኻሊእ ዝቕይሮ ዘሎ ወይእውን ናብ ኒዮ_ ሊበራሊዝም ዝሰጋገር ዘሎ ይመስል። እዚ ድማ ን ህወሓት ናይ ሞት ሞት ጥራሕ ዘይኮነስ ስዕረት እዩ።ሕድሪ ስውኣት ኣብ ኣደባባይ ከም ብባዶ ምርባሕ ተጌይሩ ዝሕሰብ።

ምኽንያቱም ኣብዚ ኣብ መቐለ ቅድሚ ሰሙናት ናይ ሙሁራት ዝተሳለጠ ናይ ሰላም ኮንፈረስ ብዛዕባ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር።

ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ ከምዚ ኢሉ:-

“ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ብተግባር ተፈቲኑ ለውጢ ዘምፅአ ንዛ ሃገር እንዳለወጠ ዝርከብ ዘሎ መስመር እዩ። ካብዚ ወፃኢ ዘይሕሰብ” ምኻኑ እንትገልፁ፤

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን ድማ

“ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ሂወት ገቢርናሉ ፣ ሂወት ከፊልናሉ፣ ብህዝቢ ቓልሲ ዝመፀ እንበር ስቕ ኢልካ ከመዘይመፀ ብቐሊሉ ዝቕየር ከምዘይኮነ” ኢሉ እንትብል፤

ተጋዳላይ ኣለም ገብረውሃድ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ስራሕ ፈፃሚት ህወሓትን ኢህወዴግን ህወሓት ንኽትህደስ መመያየጢ ፁሑፍ ዝቐረበ (37 መዓልታት ገምጋም ተሃድሶ) ብዛዕባ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ።

“ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ኣብዛ ሃገር ብሕታዊ ልምዓትን ሰላምን ዲሞክራስን ከምፅእ ዝኽእል መስመር እዩ” ኢሉ።

እዚ ከምዚ እንዳሃለወ ፕሮፌሰር አንድርያስ እሸቴ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ዝተሳለጠ ኣኼባ ከምዚ ኢሎም ÷

“ድሕሪ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ መሪሒነት ምምፅኡ ኢህወዴግ ናብ ሓዱሽ ሪኢዮት ( እንግዳ ነገር) ይሰጋገር ዘሎ ይመስለኒ” ክብሉ ምስ ጭቡጥ ሓቅታት ኣሰንዮም ኣቕሪቦም።

ነበር ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ቡሉምበርግ ዝተብሃለ ናይ ደገ መራኸቢ ሓፍሽ ዝሃብዎ ቓለ_ መሕተት ከምዚ ኢሎም÷

“ኣነ እተን ዓበይቲ ትካላት መንገዲ ኣየር ኢ/ያ፣ባንኪ፣ኡንሽራንስ፣ መብራህቲ፣ ቴሌ ዝኣምሰሉ ፕራቬታይዝድ ክኾና ናብ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወዴግ ፁሑፍ መመያየጢ ኣቕሪበሎም ኔይረ እየ። መሊእና ኣይተዘራረብናሉን።ተሰፍ እገብር ዶ/ ር ኣብይ ኣብ መወዳእታ ኣብፂሑ ብዓወት ክኽብቶ እዩ” ኢሎም ።
ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ድሕሪ ደጊም ኣብ እንዳ ኢህወዴግ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይህልዎ ኣረጋጊፆም እዮም።

ስለዚ ህወሓት ተጋዲለሉ ተሰዊአሉ ተሰንኪለሉ ግዜ ኣጥፊአሉ ህዝቢ ደም ኸፊሉ ተቓሊሱ ዘምፅኦ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ መስመር ኣብዘይ እዋኑ ካብ ሕቑፍ ባዕሉ ጠፍጢፍ ዝሰርሖም ሰባት ተጨውዩ Untimely ብኻሊእ ክልወጥ ከሰጋግርዎ ምርኣይ ን ህወሓት ካብዚ ንላዕሊ በዳሂ ነገር ክህሉ ኣይኽእልን።

ለ/ ኣብ ኢህወዴግ ዝመስረቶ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ

ኢህወዴግ ከም ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ፓርላማ ኣብዝሓ መንበር ከምዘለዎ ግንባር ሚንስተራት ክሸይም፣ከውርድ፣ሪሻፍል ክገብር፣ ካብኔ ከጣይሽ ብሕጊ ዝተውሃቦ ስልጣን እዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ካብቲ ግንባር ኢህወዴግን ፣ ካብ 9 ቴአን ክልላትን ብማዕረ ተወፃፂኦም ዝምስርትዎ መንግስቲ እዩ።ይኹን እንበር ሕዚ ንርእዮ ዘለና ዘይተለመደን ጋሻ ነገርን ግና ንቲ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ክቕይር ዝህንደድ ዘሎ ሓይሊ ወይ ብሄራዊ ውድብ ንቶም ቑልፊ ዝብሃሉ ናይ ፌዴራል ስልጣን ጠቕሊሉ ንባዕሉ ቢሒትዎም ይርከብ።

እዚ ድማ ድላዩ ከግብሮ ዘኽእል ካብ ምብራር ክሻብ ብምኽንያት ሙሱና ኢልካ ምእሳር፣ ክሻብ ናብ ኣምባሳደርነት ምግላስ፣ደስ ዝበለካ ውሳነ ምሕላፍ ከግብር ዘኽእል ስልጣን ኣብ ኢዱ አእትዩ ይርከብ። እዚ ድማ ንቲ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ናብ ዝደላኻዮ ንምስግጋርን ብኻሊእ ምልዋጥን ትኬት ከም ምቑራፅ ዝሕሰብ እዩ።ብምኻኑ ድማ ህወሓት ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር ን ልምዓታዊን ዲሞክራስን መንግስቲ ሓመድ ድበ ከይኣቱ በሊሕን መደከማይን ቓልሲ ክገብር እዩ ተባሂሉ ይግመት።ብበሊሑ ድማ ክፍተን እዩ።

ሐ/ ኣብ ህወሓት ኣብ ባዕሉ ኣብ ውሽጡ ዘጋጠሞ ፀገም

ህወሓት ኣብ ትግራይ ብመረፃ ተወዳዲሩ ስዒሩ መንግስቲ ዘጣየሸ ውድብ እዩ።ህወሓት ናይ 37 መዓልታት ገምጋም ኣካይዱ ክሻብ ርእሰ ምም/ር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቦ_ መንበር ህወሓት ዝነበሩ ክሸጋሸጉ ጌይሩ ተሃድሶ ድሕሪ ምክያዱ ትግራይን፣ ርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ፣ ብርክት ዝበላ ከተማታትን ወረዳታትን ብምክትላት ክምርሓ እንዳተገበረ እዩ።እዚ ድማ ÷

1/ ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረር እዩ።ህዝቢ ብወከልቱን ብዝመረፆምን እዩ ክመሓደር ዝግባእ።ህዝቢ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ሰባት እዩ ክመሓደር ዝግብኦ።እዚ ሕገ-መንግስታዊ ሕቶ እዩ። ብምደባ ዳተመደበ ህዝቢ ክመሓደር ምግባር ፀረ ሕገ- መንግስቲ እዩ።

2/ መረፃ ዝካየድ ን 5 ዓመታት እዩ።ርእሰ ምምሕዳር፣ከንቲባ ፣ዋና_ ኣመሓዳሪ ኮይንካ ክትሰርሕ ናይ ግድን ኣባል ቤት_ ምኽሪ ክትከውን ግድን እዩ።ማለት እውን ብቲ ናይቲ ኸባቢ ህዝቢ ዝተመረፅካ ክትከውን ግድን እዩ።ህዝቢ ኣሚኑ ክመርፀካ ስለዝግበአካ እዩ።

3/ ህወሓት ብዕምቆት ተሃዲሰ ኢሉ ፀገማት ኔይሩኒ ኢሉ ንቲ ፀገም ክፈትሕ ኢሉ ካብ ሓደ ወረዳ ናብ ካሊእ ወረዳ ከምሓድሩ ምምዳብ ሕጊ ከኽብር ሕጊ ክጥሕስ ብግልፂ ይረአ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዘሕድሮ ፅልዋ ቐሊል ኣይኮነን።

4/ ህወሓት ውክልና ህዝቢ ዘይብሎም ሰባት ካብ ወረዳ ናብ ኻሊእ ወረዳ እንዳመደበ ” ዞወር አሉ እንጂ አልሸሹም” እንዳገበረ ክትርእዮ እንከለኻ ናይ ኣመራርሓ ቕልውላው ከምዘገጠሞ ካብዚ ንላዕሊ ካሊእ መርትዖ ክቐርብ ኣይኽእልን።ሓድሽ ገፅ ዘለዎም ሰባት ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ኣባላት ቤት_ ምኽሪ ዝኾኑ ሰባት ኣመሓደርቲ ከንቲባታት ብዘይምግባሩ እንዳ ህወሓት ቅልውላው መሪሕነት ዘጋጦሞ ምኻኑ ግልፂ እዩ።

5/ ህወሓት ነገራት ቐዲሙ ብምፍትሓን ብምእማትን እዩ መለለይኡ ባህሪ ኔይሩ። ካብ ቐረባ እዋን ጀሚሩ ግና ከም ብጭቃ ዝተትሓዘት መኪና ትኪ ጥራሕ እንዳውፀአ ኣይ ንቕድሚት ንድሕሪት ክሕቆን እዩ ዝረአ ዘሎ። ንፌዴራል ቤት ምኽሪ ዝተመረፁ ኣብ ትግራይ ተመዲቦም ይሰርሑ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዘይኮኑ ህዝቢ የመሓድሩ ትግራይ ምኽትል ብምኽትል ኮይና ውፅኢት መረፃ ንበለል ኣትሪፍ ህዝቢ ብዘይ ተወካሊኡ ሕጊ ክወፅእ ይግደድ ኣሎ። 3 ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ቢሮ ሓለፍቲ ኮይኖም ይስርሑ ኣለው። እቲ ዝመረፆም ህዝቢ ብዘይወካሊ ተሪፍ። ወይ መማሊኢ መረፃ ኣይግበር። እዚ ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ እዩ።

ህወሓት ካብዚ ወፂኡ ናብቲ ትኽክለኛ ትራክ ክኣቱ ዓብይ ፈተናን ቁርፅኝነትን ይፅበዮ።

መ/ ኣብ እንዳ ህወሓት ውሽጣዊ ምጥልላ

ኣብ ህወሓት ዝላዓለ ስልጣን ዘለዎ ጉባኤ እዩ።ጉባኤ ህወሓት ማእኸላይ ኮምቴ ይመርፅ የውርድ።ኣብ ጉባኤ ዝሳተፍ ኣባላት ህወሓት እዮም። ብኸመይ ይምረፁ ብዘይግድሽ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ትግራይን ውሽጢ ሃገር ወፃኢ ዓዲን ብዝመፁ ኣባላት ህወሓት ጉባኤ ይሳለጥ።

ጉባኤ ብዝመፀ ቑፅሪ ንባዕልኻን ጉጁለኻን ከተምርፅ ካልኦት ከይምረፁ ብውሽጣ ውሽጢ ፣ብኔትወርክ፣ ገንዘብ መንግስቲ ብሽም ስፓንሰር ብምብታን ፣ሽም ንፁሃት ተጋደልቲ ፀለሎ ብምዕያን ዝግበር ዘይመትከላዊ ከይዲ ኣብቲ ጉባኤ ቡቑዓት ከይምረፁ ዱኹማትን ዝኣጉሉ ንቲ ኣመራርሓ ክብሕትዎ ብምግባር ህወሓት ናይ ኣመራርሓ ቐውሲ ክግጥሞን ብሓሰርን ብሱማታትን ክኽበብን ፅዕንቶ ፈጣራይነቱ ክንኪ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።እዚ ንምቕራፍ በቲ ህንፃን ስሪትን ክካየድን ንኹሉ እቲ ሜዳ ማዕረ ኣብ ምግባር ዓብይ ፈተና ክገጥሞ እዩ።

Image – TPLF at cross roads

II/ እዋናዊ ናይ ደገ ብድሆ (ንህወሓት)÷

ኩናት ኢትዮ_ ኤርትራ ካብ ዝጅምር 20 ዓመቱ ጌይሩ እዩ።ዶብ ኮምሽን ውሳነ ካብ ዝውሰን 16 ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ። መንግስቲ ኣሜሪካ ብ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣቢሉ ንኢ/ያ ን ኤርትራን ዘተ ሰላም ጀሚሩ እዩ። ያማማቶ ቐደም እውን እንተኾነ ኣብ ኣዲስ_ ኣበባ እንዳሃለወ ኣብ ህወሓት ዘለዎ ኣርኣያ ፁቡቕ ኣይነበረን ዝብሉ ቡዙሓት እዩም።ን ህወሓት ርጅድ እዩ ዝብሎም።ሓደ እዋን ዊክ_ ሊክስ ናይ ኢ/ያ ኣብ ዘቃልዖ ዘውፅኦ ምሽጥር ያማማቶ ምስ ሲ ኣይ ኤ ዝተፀሓሓፎ ን ህወሓት ሰባት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘይልወጥ ቅዋም ከምዘለዎም ገሊፁ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝተወሰነሉ ውሳነ ክትገበረሉ ተዘይተተግቢሩ ግና ናብ ዘተ ከምዘይኣቱ ብተደጋጋሚ ቅድመ ኩነት ኣቕሚጡ እዩ።ኢ/ያ እውን ብሂብካ ምቕባል ፓሊሲ ናይ ሰላም እማመ ኣብ ቤት_ ምኽሪ ኣቕሪቡ ኣፅዲቑ እዩ። ሕዚ ግና መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ውሳነ ዶብ ኮምሽን ኢ/ያን ኤሬትራን ንኽትግበር ምንቅስቓስ ጀሚሩ ይርከብ። እዚ ውሳነ ከይትግበር ህወሓት ዕንቅፍት ከምዝኾነ ሲኔይር ህወሓት ክህሉ ከምዘይብሉ ብወገን እኒ ያማማቶ ድልየት ከምዘሎ ዝዛረቡ ቡዙሓት እዮም።

ሕዚ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓስ ጉዳይ ዶብ ኢ/ያን ኤርትራን ( ባድመ) ጉዳይ ኢ/ያ እንምበር ጉዳይ ትግራይን ህወሓትን ክኾን ስለዘይብሉ እቲ ውሳነ ተተግቢሩ ክልቲአን ሃገራት ናብ ናይ ቀደመን ሰላም ክምለሳ ብወገን ኣሜሪካ ድሌት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ።እዚ ኣብ ግብሪ እንተዊዒሉ ግና ህወሓትን ናይ ትግራይ ህዝብን ንሓንሳብ ንሓዋሩን ከምዝፈላለዩ ዝዛረቡ ኣዝዮም ቡዙሓት እዮም። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መንነት ቐውሲ ከምዝፍጠር እውን፣መቓብር ኣብ ክልተ ዝመቅል ውሳነ ኣተግብሩ ዝብል ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ህወሓት ኣዝዩ ክፍተን እዩ።

መጠቓለሊ

እንትጥቕለል ህወሓት ንነዊሕ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ለውጢ ዘምፅአሉ፣ ዝተቓለሰሉ፣ ዝተሰወአሉ፣ ወያናይ ዲሞክራሲ መስመርን ልምዓታዊ ዲሞክራሳዊ መንግስቲ ብድውሉ ብሂወት እንዳሃለወ እንዳሰምዐ ብኻሊእ ሪኢዮት ከይልወጥን፣ ኣብ ባዕሉ ኣብ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ በቢደረጅኡ ናይ ኣመራርሓ ቐውሲ፣ ህዝቢ ዘይመረፆም ኣመሓደርቲ ህዝቢ ከመሓድሩ ምምዳብ ሕጊ ጢሒስካ ሕጊ ክተኽብር ምፍታን፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዶናልድ ያማማቶ ኣቢሉ ጀሚርዎ ዘሎ ዘተ ሰላም፣ ባንኪ ዓለም ልቓሕን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ንምርካብ መንገዲ ኣየር ኢ/ያ፣ ባንኪ፣ ኡንሽራንስ፣ ሓይሊ መብራህቲ፣ ቴሌ ዝኣምሰሉ ፕራቬታይዝ ንኽግበሩ ፀቕጥን ሪኮመንደሽን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ ዝገብርዎ ዘለውን ምስቲ ኢ/ያ ኣጋጢምዋ ዝንሄ ከቢድ ፀገም ህወሓት ከም ሳንድውች ብሓዊ ተጣቢቑ፣ ከም ሕብሽቲ ብላዕልን ታሕትን ብሓዊ ተኸቢቡ ከምዘሎ ንምፍላጥ ጳጳስ ክትከውን ግድን ኣይኮነን።

ሕዚ ዘድሊ ጥራሕ ህወሓት ካብቲ ብላዕልን ታሕትን ዝተኸበበሉ ሓዊ ከም ወርቂ ደሚቑ ዶ ይወፅእ ወይስ ከም ሽምዓ መኺኹ ታሪኽ ይኸውን? ወይስ ህወሓት ካብቲ ዘለዎ ከቢድ ፀገም ወፂኡ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ የቕፅሎ።ልምዓታዊ መንግስቲ ዝቕፅል ሃፍትም ኣመራርሓ ብምርጋፍ ጥራሕ ንዕዖም ኣራጊፍ ናይ ምቕፃል ተኽእሎ ይህልዎ ዶ ? ፅባሕ ዝረአ እዩ።ናይ ፅባሕ ሰባት ይበለና።

*********

Guest Author: Guest Author
Leave a Comment

This website uses cookies.