ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ – ምስ ‘ሻዕቢያ’ ርክባት ክሳብ ምቁራፅ ዝበፅሕ ውሳነ ይብፃሕ ነይሩ [Audio]

ሓደ ካብ መስረቲ ተሓህት ናይ ሎሚ ህወሓት ዝኾኑ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ተሓህት’ውን ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም።

ኣብ ውግእ ኣንፃር ኢድዩ ወሳናይ ኣመራርሓ ዝሃቡ’ዮም ተባሂሎም’ውን ብብፆቶም ይዝከሩን ይሙገሱን ዶ/ር ኣረጋዊ። ሎሚ ኣብ ስደት ኣብ ሆላንድ ይነብሩ።

’ሉኣላዊነትን ዲሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ’ ኣብ ልዕሊ ዘርእስታ መፅሓፍ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ሓፃር ገምጋማዊት ሪኢቶ ስለዝፃሓፉ’ዮም ኣብ ቪኦኤ ተጋቢዞም።

ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ውግእ ተሓህት ምስ ህዝባዊ ግንባር (ሻዕቢያ) ዝነበረ ርክብ ኣብ ማዕርነታዊ ኣተሓሳስባ ዝተመርኮሰ’ዩ ነይሩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ከምዘይካኣል ይዛረቡ ዶ/ር ኣረጋዊ።

ከምኡ ኮይኑ’ውን ርክባት ክሳብ ምቁራፅ ዝበፅሕ ውሳነ ይብፃሕ ነይሩ ይብሉ ንሶም።

መፅሓፍ ኣቶ ገብሩ መዘራረቢ ኣጀንዳታት ሒዛ ስለዘላ ኩሉ-ሰብ ከንብባ’ውን ሓሳብ የቅርቡ ዶ/ር ኣረጋዊ።

*******

VOA – ጥሪ 14-2007

ሙሉእ ቃለ-መጠይቅ ምስ ዶ/ር ኣረጋዊ (በሪሁ) በርሀ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

————

Curated Content: Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.
Leave a Comment

This website uses cookies.