“ጥቕምን መፃኢ ዕድልን ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ ሕዚ ትፍጠር ዘላ ኢትዮጵያ እያ ትምስረት” ሜ/ጀነራል ተኽለብርሃን ወ/ኣረጋይ (ዶ/ር)

ሜ/ጀነራል ተኽለብርሃን  ወ/ኣረጋይ (ዶ/ር) ናይ ኢንፎርሜሽን መርበብ ድሕንነት ኤጀንሲ (ኢመደኤ ወይ ኢንሳ እንብሎ) ዋና ዳይሬክተር እዩ። ሜ/ጀነራል ተኽለብርሃን ነባር ተጋዳላይ፣ ብዙሕ ብርክታት ሓሊፉ ኣብዚ ደረጃ ዝበፅሐ ኮይኑ ብትምህርቲ እውን ክሳብ ዶክትሬት ዲግሪ ዝበፅሐ ሙሁርን ብጣዕሚ ብሱልን እዩ። ቀዳማይ ዲግሪ ብኮምፒዩተር ኢንጂነርንግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማይክሮሊንክ ኮሌጅ ተማሂሩ፡፡ ኣብ ዩኒቨረስቲ ኣዲስ ኣበባ ኮምፒዩተር ኢንጅነሪንግ ስለዘይነበረ ካብዚ ዩኒቨርስቲ ኣቋሪፁ እዩ ናብቲ ኮሌጅ ኣትዩ፡፡ ካልኣይ ዲግሪ ብሰኩሪቲ ኢንጅነሪንግ ኣብ ኢንግሊዝ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ለንደን ተማሂሩ፣ ካብኡ ቀፂሉ ድማ ዶክትሬት ዲግሪ ብኢንፎርሜሽን ሲስተም ማናጅመንት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ዋልደን ኣብ ዝብሃል ተማሂሩ፡፡ ናብራ፣ ስድራ ኣለዎ፡፡ በዓል ሓዳር ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት እዩ፡፡ ኣብዚ ምስ ማነጂንግ ዳይሪክተር መፅሄት ውራይና ጌታቼው ኣረጋዊ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ከም ተጋዳላይን ከም ሙሁርን  ኮይኑ እዩ ኣብ ህልውን መፃኢን ኩነታት ዓድና ብስፍሓት ዕምቆት ዘለዎም መብርሂታት ሂቡና ዘሎ። ን ዶክተር ጀነራል  ተኽለብርሃን ካብ ልቢ እናመስገና፤ ሰናይ ንባብ ይኹነልኩም ንብል።

ውራይና፦ ሐዚ ኣብ ዓድና ብዙሓት መሰከፍቲ ነገራት እንሪአሉ ዘለና እዋን እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ብዙሕ ሰብ ጉዳየይ ኢሉ ዝከታተለሉን ዝዘራረበሉን (ብቱን ዋላ እንተኾነ) እዩ እሞ፤ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ ይኹን ክልላዊ ርእሰ ጉዳይ ኣልዒልና ኣብ እንገብሮ ክትዓትን ትንታነታትን ( discussion and analysis ) ክንሪኦም ዝግበአና ዓለምለኻዊ ህልው ኩነታትን መፃኢ ዝንባለታትን ( worldwide trends need to watch) እንታይ እዮም ትብል?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር) ፦ ግርም። እቲ ዓለማዊ ኩነታት ብዝተፈላለየ መልክዕ ክርአ ይከኣል እዩ።  ኣነ ክርኦ ዝደሊ ድማ ብናይ ፖለቲካዊን ቴክኖለጂያዊን መነፅር እዩ። ቴክኖሎጂ ኣብቲ ከይዲ ፖሊቲካዊ ኩነት ዝፈጠሮ ዓብዪ ለውጢ ኣሎ።  ናይዚ ሓደ መርአዪ ዓለም ሓንቲ ትኸውን ኣላ ዝብል ናይ ግሎባላይዘሽን እንብሎ እዩ። እዙይ ኣተሓሳስባ እዙይ ካብ ዝመፀእ ከባቢ 20 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ንዙይ ዋና መሰረቱ ድማ፤

ቀዳማይ፡ ናይ ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ ዕቤት ዘምፅኦ ናይ ኮሚኒከሽን  ምትእስሳር ዝፈጠሮ እዩ እቲ ሓደ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ድማ እዚ ናይ ትራንስፖርት ቴክኖሎጂ ዕቤት ዝፈጠሮ ምትእስሳር እዩ። እዚኦም ክልቲኦም ብቲ ቴክኖሎጂ ዕቤት  ዝፈጠርዎ ምትእስሳር እኒሀ።

ካልኣይ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝቆፃፀርዎ ዕዳጋ ምፍጣሩ ዝፈጥሮ ምትእስሳር እኒሀ፤ ብምህርቲታቶምን ብግልጋሎታቶምን ኣቢሎም ኣብ ሙሉእ ዓለም ስለ ዝዝርግሑ ማለት እዩ።

ሳልሳይ፡ ብዓለም ደረጃ ዝዳንዩ ትካላት  ፍርድን ብያነን ከህቡ ተባሂሎም (ብናይ መን ድሌት እዮም ዝብል ካሊእ ኮይኑ) ምጥያሾም፤ እዚኦም ከምኒ ዓለም ለኸ ፍርዲ ቤት፣ ኣይ ኤም ኤፍ፣ ባንኪ ዓለም፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሕቡራት መንግስቲታት ዓለም ትካላት ወዘተ ኣለው። ስለዚ ብዝኦም ምኽንያት ንዝሓለፈ ዕስራን ገለመለን ዓመታት እንዓበየ ዝመፀ ዓለማዊ ምትእስሳር (globalization) እኒሀ።  ኣብዙይ ድማ ኣመሪካ ልዕልነት ዝሓዘትሉ፤ ካብኡ ሓሊፋ እውን ናይ ዓለም ፖሊስ ኮይና እትሰርሕሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ብፍላይ ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኩናት እዙይ እዩ ነይሩ እቲ ዓለማዊ ኩነታት።

ኣብ ቀረባታት ግን እዙይ እናተለወጠ ይመፅእ ኣሎ በሃሊ እየ። ምኽንያተይ ድማ፤ ሓደ፡ ኣብቲ ናይ ዓለም ኩነታት ወሰንቲ ዝኾኑ ሓደሽቲ ሓይልታት ምፍጣሮም እዩ። እዙይ ብፍላይ ብ ኤሽያ ዝመፅእ ዘሎ ናይ እኒ ቻይና፣ ህንዲ ወዘተ ኣብ ዓለም ዘለዎም ቦታ ብኢኮኖሚ ብጣዕሚ ቅልጡፍ ዝበሃል ምዕባለ ኣሚፅኦም ዝፈጥርዎ ዘለው ፅልዋ እዩ። እዙይ ብናይ ብሪከስ ዝበሃል ናይ ሓባር ባንኪ ብምጥያሽ ዝግለፅ ዘሎ ሓዱሽ ምዕባለን ለውጢ ኣሰላልፋን እዩ። እዙይ ንታ ኣመሪካ በይና ናይ ዓለም ፖሊስ ኮይና ትሰርሐሉ ዝነበረት ታሪክ ዝልውጦን እዩ። ስለዚ እቲ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት እንታይ እዩ ክመስል ዝብል ነገር ናይዞም ሓይልታት እዚኦም ርፅመት/ግጥም ዝውስኖ እዩ ክኸውን።

ቻይና እንተሪኢና ሐዚ እቲ ካብ አመሪካ ጥራሕ ዝብገስ ዝነበረ ዓለማዊ ምትእስሳር እውን ብኹሉ መንገዲ ንምምንዛዕ overtake ንምግባር) ፤ እዚ እቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ኢንቴርኔት ዓብላልነት ብምውሳድ ክኾን ይክእል እዩ፣ እቲ ዝፈጠረቶ ኢኮኖምያዊ ምዕባለ እውን ናይ ባዕላ ምትእስሳር ስለ ዘድልያ ብናይ ባዕላ መንገዲ ትንቀሳቐስ ኣላ፤ እኒ ህንዲ እውን አዚ መንገዲ እዙይ ንምኽታል ፃዕሪ ኣሎ። እቲ ቻይና፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ብራዚል፣ ደቡብ ኣፍሪካ …. ዝፈጥረኦ ዘለዋ ሕብረት እውን ንቲ ከምኒ ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ዝበለ ብዋናነት ኣመሪካ እትዝውሮ ዓለምለኻዊ ትካል ንምትካእ ወይ ብናይ ባዕልኻ መንገዲ ምጥቃም እዩ። ስለዙይ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ግሎባላይዘሽን ብሓደሽቲ ተዋሳእቲ ይፍተን ኣሎ።

ብኻሊእ ገፅ ከዓ ኣብ ባዕለን ብዝተፈጠረ (2008) ገንዘባዊ ቅልውላው ዘስዕቦ ምንጋዕ ይፍትኖ ኣሎ፤ እዙይ ብፍላይ ንቲ ክልሰ ሓሳብ ሊበራሊዝም (ልቂ ዝኮነ ኢኮኖሚ) ኣብ ሕቶ ዘእተዎ እዩ፤ ድሕሪ ሐዚ ዝፍትኖ ነገር የለን ኢሎም እኒ ፍራንሲስ ፉክያማ “the End of history” ኢሎም ዝፅሕፍሉ ዝነበረ እንደገና ተመሊሶም ሓሳቦም ክልውጡ ዝገበረ እዩ። ካብዚ ተበጊስካ ድማ ካሊእ ስነ ሓሳብ የድልየና እዩ ዝብል ሙሁራዊ ትንታነታት ይመፅእ ኣሎ። በቲ ዝነበሮ መንገዲ ካፒታሊዝም ክቕፅል ኣይኽእልን ዝብል ስግኣታት ኣሎ። ስለዚ ሓዱሽ መንገዲታት ናይ ምትእልላሽ ዝንባለታት ኣሎ።

ካብዚታት ብዝብገስ እቲ ዴሞክራሲ እውን ኣብ ፈተና ይኣቱ ኣሎ። መረፃታት ዝበሃል ንግደፎ እሞ ኣብቶም ዘይማዕበሉ ዓድታት ኣብቶም ዝማዕበሉ ኣውሮፓ፣ ኣመሪካ እውን ተኣማንነቶም ኣብ ሕቶ ዝኣትወሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ። እዙይ ምስ ሳይበር ኩናት ተኣሳሲሩ ዝኒሀ ጭቕጭቅ እኒሪኦ ዘለና ግሁድ ነገር እዩ። ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣመሪካን ምስ ናይ ትራምፕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ፣ ኣብ ጀረመን ዝተኻየደ መረፃ፣ ኣብ ፈረንሳይ ዝተኻየደ መረፃ ወዘተ ዝተፈጠረ ጭቕጭቓት ኣሎ። ሐዚ ድማ ሩስያ ቀፃሊ መረፃ ስለ እትካይድ ኣመሪካ ብናይ ሳይበር እቲ ናይ መረፃ ፍትሓውነት ክተዛብዖ እያ ዝብል ስግኣት እውን ይልዓል ኣሎ። ስለዚ ናይ ሳይበር ውግእ ማለት ብኢንፎርመሽን ኣቢልካ ኣተሓሳስባ ሰባት ንምቕያር ወይ ንምፅላው ዝግበር ጉዳይ፤ ስነ ልቦናዊ ኩናት ዝበሃል ገይርካ ኣብ ምሕደራን ካልኦትን ዝፈጥሮ ተፅዕኖታትን ስግኣታትን ዘምፀኦ ብድሆታት ኣሎ። ብዚታት ተኣማንነት ናይቶም መረፃታት ኮነ ምሕደራታት ኣብ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ። እዙይ ኣብ ኣፍሪካ እውን ኣብ ቀረባ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረፃ ዝፈጠሮ ነገራት ዝረኣናዮ እዩ። ስለዚ ምትእምማን ዝበሃል ነገር ይጠፍእ ኣሎ ማለት እዩ።

ካሊእ ዝፍጠር ዘሎ ዝንባለ ናይ የማን መኽረርቲ ሓይሊታት ዝለዓለ ቦታ ክሕዙ ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓስ እዩ። እዞም right wing የማን ጭልጥ ዝበሃሉ populist ህዝበኛታት ማለት እዩ። እዚ ኣብ ኣመሪካ እውን ኣብ ኣውሮፓ እውን ዝተረኣየ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቅልውላዋት ዘለዎ እዋን ዝፍጠር፣ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝነበረ እውን ምስዚ ዝተኣሳሰረ እዩ። ምስ ሽዑ ዝነበረ ዓለማዊ ቅልውላው ተኣሳሲሩ ፋሺሲዝም፣ ናዚሲዝም ወዘተ ከም ዝዓበየሉ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ እዚኦም ንቲ ዝፀንሐ መዋቕር (establishment) ዝፍትንዎ (challenge) ዘለው እዮም። ስለዚ ብመትከል ዝምራሕ ዘይኮነስ ብስምዒትን ብውልቃዊ ድሌታትን ዝዝወር ወይ ዝዕብለል ይኾን ኣሎ። እዙ ንቲ ዴሞክራስያዊ መረፃ፣ ዴሞክራስያዊ ስርዓት… ዝበሃል ነገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ እዩ። ኣብኒ ስዊድን ኣብተን ዝተማለአ ዴሞክራሲ ሃኒፅና ዝብላ እውን ብዚ ንርኦ ዘለና ፀረ ስደተኛ ኣተሓሳስባ ዝመግለፂኡ ይፍተን ኣሎ። እዙይ ከሊልካ (protectionist) ናይ ባዕለይ ንእትብሎ ዘርኢ እናሓብሐብካ ንኻለእ ናይ ምጉናይን ምጥቃዕን ጉዳይ እዩ ዝመፅእ ዘሎ።

ስለዚ እዙይ  ብኢንግሊዝኛ ‘ዜኖፎብያ’ xenophobia እንብሎ እዩ ዝምዕብል ዘሎ። ዜኖፎብያ ማለት ኣብ ልዕሊ ወፃእተኛታት ዝርአ ፅልኣት (an intense fear or dislike of foreign people) ማለት እዩ። እቲ ዝፍጠር ቅልውላው ስደተኛታት ዝፈጠርዎ ገይርካ ብምርኣይ ንሶም ይውፁኡልና ዝብል ከም መፍትሒ መርኣይ እዩ። እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ፀገም እዩ ኣብ ክንዲ ምባል ንደገ ኣማዕዲኻ ናይ ምርኣይ፤ ኣብ ክንዲ ምንጭ እቲ ፀገም ተረዲእኻ ንምፍታሕ ምድላይ፣ ስሚዒታዊ ኮይንካ እቶም ነሃተይ ትብሎም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ፅልኣት ከሕድሩ እሞ ናይ ፀገሞም ምንጪ ገይሮም ከርኢዎም ናይ ምግባር ኣሎ። እቶም ህዝበኛታት (populist)  ዝበሃሉ ንዙይ ይጥቀምሉ ኣለው ማለት እዩ። ንዚታት ከም ድኹዒ ተጠቒሞም ናብ ስልጣን ዝመፅሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ።

ብኻሊእ ገፅ ድማ ዓለማዊ ራዕዲ (ሽብርተኝነት) ኣሎ። እዚ ራዕዲ እዚ ዝፈጥሮ ተፅዕኖታት ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ግድድ ዝበለ እዩ። እዚ ንምምካት ተባሂሉ ዝግበር ምንቅስቓሳት ድማ ኣሎ። እዙይ ዝፈጠሮ ከኣ መንግስቲ ኣልቦ ዓድታት ምብዛሕ ይርአ ኣሎ። ምስዚ ተኣሳሲሩ እዚ ናይ ቀለም ወያነ (color revolution) ኢሎም ዝፀውዕዎ፤ ብኡ ምኽንያት እዚ ናይ ዓረብ ፅድያ (Arab spring ) ምንቅስቓስ  መንግስቲ ኣልቦ ዝገበረን ከምኒ ሊብያ፣ ሲርያ፣ የመን ወዘተ ዝመሰላ እውን እኑሀዋ። እዙይ ዘፈጠሮ ተፅዕና ኣሎ፤ ኣባና እውን ኣብ መላእ ዓለም እውን።

ውራይና፦ ኣብዚ መወዳእታ ዝበልካዮ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ቀለም ወያነ (color revolution) ግደ ቴክኖሎጂ ዓብዪ እዩ ነይሩ፤ ምስ ማሕበራዊ ሚድያ ተተሓሒዙ ዝለዓል ብዙሕ ኣሎ?….

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር) ፦ … እወ! ብናይ ኒዮ-ሊበራል ሓይልታት እንድዩ ዝምራሕ ነይሩ ብዋናነት፤ ንሱ ከዓ ብቴክኖሎጂ፣ ብከምኒ ፌስቡክ ኣቢልካ ዝምራሕ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ቴክኖሎጂ ዓብዪ ግደ እዩ ዘለዎ ኣብቲ ምግዳድ/ምብእኣስ ማለት እዩ።

እሞ እቲ ዓለማዊ ኩነታት ደሚርካ ክትሪኦ እንተሊኻ ፅቡቕ ኣይኮነን፤ ኣሉታዊ ገፅትኡ ዝዓቢ እዩ ዝመስል ዘሎ እቲ ዝንባለታት። ኣብዚ ውዕጢ እዙይ ግን ከምኒ ቻይና፣ ህንዲ፣… እተን ኤሽያ ዝበሃላ ዓድታት ዝፈጥርኦ ዘለዋ ምዕባለ ዝፈጠሮ ተስፋ ኸዓ ኣሎ፤ ብፍላይ ንኸምዚ ከማና ዝበላ ዓድታት። ናይእዚኣተን ምምፃእ ማለት ምምዕባል ንኸምከማና ዝበለ ብናይ ባዕልኻ መንገድን ኣተሓሳስባን ክትዓቢ ከምእትኽእል ሓደ፤ ካልኣይ ድማ ኢንቨስትመንት ናይዘን ዓበይቲ ዓድታት ንዓና እውን ረብሓ ዘለዎ እዩ። ዕዳጋ ይደልያ ስለዘለዋ ካሊእ መማረፂ ኮይነን ንዓና ይጠቕማና እዩ። ንጠቐቐም። ስለዚ ደሚርካ ብቲ ፖለቲካ መንፅር ክትርኦ ከለኻ እዚ ናይ ኣኽራርነት ኣተሓሳስባ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። እዙይ ንቲ ዝነበረ መዋቅር (establishment) የናግዖ ኣሎ።

ብኻሊእ ገፅ ከዓ እቲ ዓለማውነት (ግሎባላይዘሽን) ዝበሃል ተፈቲኑ ኣሎ፣ ፀገም ገጢምዎ ኣሎ። የግዳስ ናብ ምክፍፋል (Balkanization) እዩ ዘምርሕ ዘሎ። ነናይ ባዕልኻ ኣናእሽተይ ክልላት ፈጢርካ ናይ ምንቅስቓስ ኩነታት እዩ፤ ናብኡ የዛዙ ኣሎ ሐዚ። ግሎባላይዘሽን ወዲቑ ኢልካ ክትብል ኣይትኽእልን እቲ ዝንባለ (trend) ግን ናብኡ ናብ ምብትታን (Balkanization) ዓይነት ዘምርሕ ዘሎ ይመስል። ብዕዳጋ፣ ብኢኮኖሚያዊ ንግድን ምንቅስቓስን መንፅር ክትርኦ እንተለኻ እውን ፅልዋ ፈጢርሉ ኣሎ። ተኸላኸልቲ (protectionist) ይኾኑ ስለ ዘለው ንቲ ዝነበረ ምትእስሳር እውን ዓብዪ ብድሆ ይገጥሞ ኣሎ። …

ውራይና፦ እስቲ ኣብዚ ምስ ንግዲ … ዝበልካዮ ብኸመይ ክግለፅ ይኽእል? ንኣብነት እንታይ ክነልዕል ንኽእል ኢለ እየ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ሐዚ ንኣብነት ትራምፕ ምስ ኤሽያ ዝነበሮ TPP (Trans pasfic partnership) ዝበሃል ናይ ንግዲ ስምምዕነት ሰሪዝዎ ኣሎ።  ምስ ኣፍሪካ ዝነበረ AGOA (African growth opportunity act)  ኣገዋ ዝበሃል ንኣፍሪካ ዝጠቅም ስርዓት ንግዲ እውን ይቐፅል ዶ ኣይቐፅል ዝብል በቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ኣመሪካ/ትራምፕ ኣካይዳ ኣብ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ። ብኸመዙይ ፈተና ይገጥሞ ኣሎ ንቲ ነግዳዊ ምንቅስቓስን ምትእስሳርን። እዙይ ወሲድካ እቲ ውድድር ሐዚ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ እዞም ኤሽያን (ቻይና ትመርሖ) ኣመሪካን ይኾን ስለዘሎ፡ እዙይ ዝፈጥሮ ተፅዕኖ ኣሎ። ሓደ እዙይ እዩ። ካልኣይ እቲ ራዕድን ቀለም ወያነን ዝፈጥሮ ዘሎ መንግስቲ ኣልቦ ዓድታት ምብዛሕ ዝበልናዮ ውን ይርአ ኣሎ ማለት እዩ።

እዚ ዓለማዊ ኩነታት እዙይ ኣብ ነሃትና ኩነታት ዝፈጥሮ ፅልዋ ክርአ ኣለዎ። ብቲ ሓደ ገፅ ከዓ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ተስፋታት ዝግበረሉ ምዕባለታት እውን ኣሎ ብዝብል እየ ዝርኦ።

ውራይና፦ እዙይ ሒዝና ናብ ናትና ኩነታት እንትንመፅእ (ኣብ ገሊኡ ንቲ ናትና ኩነታት እውን ትንክፍ እናበልካ መፂእኻ ኣለኻ) ንከባብያዊ፣ ሃገራዊን ክልላውን ጉዳያትና እንርአሉ ዓፅመ ሓሳብን መርኣይን ማለት ክንጥቀሞም ዝግበአና መዐቀንታትትን መርአይታትን (framework and perspective ) እንታይ  ክኾን ኣለዎ ትብል?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ፅቡቕ። ብዙሕ ዓይነት እንድዩ ክኸውን። ፖለቲካዊ መርኣዪ ኣሎ፤ ጂኦ-ፖለቲካዊ መርኣዪ ኣሎ፤ ኢኮኖምያዊ መርኣዪ ኣሎ፤  ቴክኖሎጂካል መርኣዪ (framework and perspective) እውን ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ዝተፈለጡ መርኣይታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፤ ሐዚ ኣብዚ እዋን ብዚኦም ጥራይ ክትይሪኦ ብጣዕሚ መፀገሚ እዩ። ምኽንያቱ ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ እዩ፤ ውስብስብ እዩ፤ ውስብስብነት ቅድሚ ሐዚ እውን ነይሩ እንድዩ ኣብ ናይ ሎሚ ግን ብጣዕሚ ቅልጡፍ ዝኾነ ምዕባለታትን ለውጢታትን ዝረኣየሉ ዓለም ኢና ዘለና። ስለዚ ካብዚ ዝፀንሐ ዓይነት ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ኮነ ካሊእ ጥራይ ዝብል መተንተኒ ወይ መዐቀኒ ወፂእና ብውስብስብነት ክልሰ-ሓሳብ ( complex theory) ዝበሃል መርኣይ ወይ መተንተኒ ኢና ክንርኦ ዘለና ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለኒ።

ብውስብስብነት ክልሰ-ሓሳብ (complex theory) መርኣዪ (perspective) ክትኣቱ እንተለኻ ድማኒ ቀዋሚ ዝበሃል ነገር የለን፤ እቶም ምኽንያታት ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም። እቲ መስተጋብር፣ እቲ ከይዲ ኢኻ ክትርዳእን ብንቕሓት ክትከታተልን ዘለካ እምበር፤ ካብቲ ሕሉፍ እናተበገስካ ንቕድሚት ንውሕ ዝበለ ተንቢኻ  ክትከይድ ዘኽእል ኣይኮነን። ብርግፅ እዙይ ክብል እንተለኹ መዋቅራዊ (structural) ዝኾኑ ነገራት ኣለው።

ንኣብነት ቴክኖሎጂ ዘምፅኦ ምትእስሳር መዋቅራዊ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ። ዋላ ፖለቲካ ይለወጥ ኣይለወጥ ዓለም ሐዚ ኣብ ሓንቲ ምትእስሳር ምእታዋ ማንም ዓዲ ካብዚ ምትእስሳር እዙይ ወፃእ ክትኮን ኣይትኽእልን። ካብኡ ወፃእ እዞም ብ ፖለቲካዊ-ኢኮኖሚ ዝነበሩ ናይ ንግዲ ገለታት ዝነበሩ ምትእስሳራት ኣለው እዚኦም ክልዋወጡ ይኽእሉ እዮም። ብናይ ዓድታት ለውጢ ፖሊሲ ምኽንያት ክለዋወጥ ይኽእል እዩ፤ ብጣዕሚ ፈጣን ለውጢ ዝረኣየሉ እውን እዩ። እዚኣ ግን እታ ሓንቲ መዋቅራዊ ለውጢ እያ።

እታ ካልአይቲ መዋቅራዊ ለውጢ … እዙይ ሐዚ ናይ ሓደ ብሕታዊ ዓብላልነት ጉዳይ ኣይኾንን ናይ ብዙሓት ወሰንቲ ሓይልታት ተዋሳኣይነት ዘለዎ ኩነታት እዩ ዝኸውን ዘሎ። እቲ ናይኒ ቻይና ምምፃእ ምስ ኣመሪካ ዘለዎ ኢልና ዝገልፅናዮ ማለት እዩ፤ እዙይ ዓብዪ መዋቅራዊ ለውጢ እዩ ኣምፂኡ ኣብቲ ኩለመዳያዊ ዓለማዊ ኩነታት።

ምስ ቴክኖሎጂ ብዝተኣሳሰረ እውን ነዳዲ ዝነበሮ ተራ ብቴክኖሎጂ እናተተከአ ብምኻዱ ዘምፅኢ ለውጢ ኣሎ። እዚ ናይ ነዳዲ ዝበሃል ሃፍቲ ምስ ናይ ልህይቃን መዝማዛይነት ዝነበረ ነገራት ዝልውጦ ኣሎ። ስለዚ ምስ ናይ ነዳዲ ኣቕርቦት ተተሓሒዙ ዝነበረ ይውቃዕ ኣሎ እዩ ብሓዱሽ ቴክኖሎጂ። ካልኦት መማረፅቲ ሓይሊ ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ንቲ ነዳደዲ ዝነበሮ ቦታ ክምንዝዕዎ እንተለዉ ዝመፅእ መዋቅራዊ ለውጢ እኒሀ። እዚኣቶማት ዝፈጥርዎ መስተጋብር፤ ነገራት ብ ውስብስብነት complex theory መርኣዪ ናይ መርኣዩ ጉዳይ እዩ እቲ perspective ክኾን ዘለዎ።

ውራይና፦ እሞ እቲ ኣብ ዓድና ዝመፀ ማሕበረሰባዊ ለውጢ  ከምኡ ዝበለ መዋቅራዊ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ ዶ ክንብሎ ንኽእል?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ናትና ለውጢ ብድምር ክርኦ ከለኹ፤ ብሓደ ገፅ ኣብ ደገ ዝተፈጠረ ናይ ኢንፎርመሽን ማሕበረሰብ ኣሎ፤ ማለት ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ህይወት ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣሎ ብሓደ ገፅ። ኣብ ኣውሮፓ፣ ኣመሪካ፣ ዋላ ኤሽያ ማለት እዩ። ማሕበረሰብ ሓበሬታ ዝበሃል ኢንፎርመሽን መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር፣ ወዘተ ዘለዎ፤ ኢንፎርመሽን ሞተር ዝኾነሉ ማሕበረሰብ ኣሎ። ኢንፎርመሽን ጥራይ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ብሞያና ኣዘራርባ ሳይበር እንብሎ ምትእስሳር እዩ፣ መስተጋብር እዩ። እዙይ ብገለገሊኦም ኣገላልፃ ሰለስተ ወያነ ተኻይዱ እዩ ኣብዚ ተበፂሑ ዘሎ። እቲ ሓደ ካብ ሕርሻ (መሬት መሰረት ዝገበረ)  ናብ ኢንድስትሪ ዝተገበረ  ስግግር እዩ። ኣብዙይ ኣርባዕተ ዝኾኑ ብርክታት ዘለዎ እዩ፤ መጀመርታ ማሽን መሰረት ዝገበረ መፍረያይነት ኣሎ፣ ቀፂሉ ኤለክትሮኒከስ መሰረት ዝገበረ እዩ፣ ሳልሳይ ከዓ ኮምፒተር መሰረት ዝገበረ መፍረያይነትን ምትእስሳርን እዩ፣ ራብዓይ ድማ ሰለስተ ነገራት ምትእስሳር መሰረት ዝገበር ከምቲ ኢነርጂ (ሓይሊ) ዝበልናዮ ኮይኑ፡ ካብ ነዳዲ ናብ ካሊእ ሓደሽቲ መማረፅታት ዝተሰጋገረሉ ማለት እዩ፤ ብኻለእ ገፅ ድማ እዚ ዲጂታላይዘሽን (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝበሃል ዳርጋ ንሰብ ዝትክእ ቴክኖሎጂ ስግግር እዩ፤ ቀፂሉ ናይ ባዮ ቴክኖለጂ ኢሎም ዝገልፅዎ እዩ።  ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ብዙሕ ብርክታት ሓሊፎም ናብዚ ደረጃ እዚ በፂሖም ኣለው።

ንሕና ዘለናሉ ድማ  ብሓፈሽኡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ብርኪ ዘሎ ስግግር ገና ኢና። መሬት መሰረት ዝገበረ ናይ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ናብራን እዩ ዝኒሀና። ስለዚ ካብቲ መሬት መሰረት ዝገበረ ናብ ኢንድስትሪ ናይ ምስግጋር ፃዕሪ እዩ ዝኒሀ ሐዚ። እቲ ፃዕሪ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ስግግር ግን ክሳብ ሐዚ ኣይተረጋገፀን። ስለዚ ኣብ ሞንጎና ኣብ ሞንጎ እቲ ካሊእ ዓለምን ንሕናን ዘሎ ኣፈላላይ ብጣዕሚ ዝተረሓሓቐ ኣፈላላይ እዩ ዘሎ። እዙይ እነሃለወ ግን እቲ ምትእስሳር ተፈጢሩ ኣሎ። ካብዚ እውን ከነምልጥ ኣይንኽእልን፡፡

ስለዚ ብባህላዊን እሴታዊን ተፅዕኖ ኣብ ልዕሌና ምብፅሑ ግድን ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ዓለማዊ ተፅዕኖ ከጥፈአና እውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ነፃነትና፣ ባህልና፣ ትውፊትናን ኣታሓሳስባናን ክሕድገና ስለዝኽእል፡፡ ግን እቲ ምትእስሳር ናብ ረብሓና ‘ውን ክንቕይሮ ንኽእል ኢና፡፡ እዙይ ኣብ ናትና ዓቕሚ እዩ ዝድረኽ፤ ዓቕሚ ኢንፎርመሽን ማለት ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ህንፀት ኢኮኖሚ እዩ። ንሕና  ዘድልየና ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዱስትሪ ጥራይ ክንሰጋገር ዘይኮነስ እዚ ዘሎ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ሕብረተሰብ እውን ክንሓስበሉ ይግባእ፡፡ ስለዚ ከምቲ ንሶም ዝኸድዎ ኣካይዳ ከይድና ብነዊሕ ጉዕዞ ምዕባለ ከነረጋግፅ ኣይንኽእልን፤ እቲ ዓለማዊ ኩነታት ስለ ዝተለወጠ፡፡ ፍሉይ ፀጋታትና ኣለሊና ክንዘልል እዩ ዘለና፡፡ ንኽንዘልል ድማ ኣብዚ ግዘ ተፈጢሩ ዘሎ ቴክኖሎጂ ክንጥቀመለኩ ኣለና፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ መሰረታዊ ለውጢ (ትራንስፎርመሽን) ኣይመፀን ዘሎ፡፡ መሰረታዊ ቅርፂ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣይተቀየረን ዘሎ፡፡ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ድማ መሰረት ክግበር ዘለዎ ኢንፎርሜሽን ወይ ኢንዳስትሪ እዩ፡፡

ውራይና፦ ኣብዚ ግና ብሓደ ገፁ እቲ ቴክኖሎጂ ንህዝቢ ነፃ ንኽኸውን ኣኽኢልዎ ክብሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት ብመንግስቲ ንኸይርገፅ ክኸውን ይኽእል ወይ ንዓለም ክርእይ ኣኽእሊዎ ክብሃል ይከኣል፤ ብኻልእ ገፁ ድማ ነቲ ዓለማዊ ኩነታት ብሙሉእ ስለዘይርእዮ ዘሎ፣ ነታ ዝተወሰነት ጉዳይ ወሲዱ ንቁልውላው ወይ ንምሽርሻር ክብርታት እዩ ዝጥቀመላ ዘሎ ይብሃል እዩ፡፡ ኣብዚ ደንገርገር ኣለዉ፡፡ ንስኻ ከመይ ኢኻ ትርእዮ?  

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር) ፦  እወ፤ እዚ ዝረኣናዮ ዓለማዊ ኩነታት ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ፣ እወታዊ ጎኒ ‘ውን ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮም ዕድላት ኣለዉ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ሞኖፖሊ ዝፈጠሮም ክልከላታት ንኽቅንስ ገይርዎ እዩ፡፡ ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ቴክኖሎጂ ዕድል ይህበና ኣሎ እዩ፡፡ ሓበሬታ ክንረክብ ሓበሬታ ብፍጥነት ፕሮሰስ ክንገብርን ዓለም ንኽንፈልጥን ተኽእሎ ሂብና ኣሎ፡፡ እቲ ምትእስሳር ታሪኻዊ ኣመፃፃኣ ኣለዎ፡፡ ምትእስሳር ሳይበር ተፈጢሩ ዘሎ ካባና ወፃኢ ብዘሎ ሓይሊ ብቀንዱ ብመሪሕነት ኣሜሪካ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣመሪካ እትደልዮም ክብርታት ኣለዉ፡፡ እቶም ክብርታት ኣሜሪካ ነፃነትን ረብሓን ውልቀ ሰባት /liberty and interest/፣ ነፃ ዕዳጋ፣ ክፍቲነት ዕዳጋን ትሑት ወይ ዜሮ ጣልቃ ኣታዊነት መንግስቲን እዮም፡፡ እሶም ዝበፅሕዎ ብርኪ ምዕባለ እዮም ዘንፀባርቁ፡፡

ምዕራባዊ ክብርታት እዮም በቲ ቴክኖሎጂ ይኹን ዝጥቀምሉ ቋንቋ ዝሸጡ ዘለዉ፡፡ እቲ ንጠቀመሉ ቃላት ካብቲ ቋንቋ ጀሚርካ እቲ ቴክኖሎጂ ኩሉ ሃቶም ንቅበል ኣለና ነሃትና እናገደፍና ማለት እዩ።  ስለዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነታት ብናቶም ድሌታት እዮም ክቐርፅዎ ዝደልዩ፡፡ እዚ ድማ ብዋናነት ዕዳጋ ስለዝደልዩ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ብ ዓለም ለኸ ትካላት ንግድን ሲቪል ሶሳይቲ ማሕበራትን ኣቢሎም ድማ ንዓለም ክቀርፅዎ ብፍላይ ኣብ ዘይማዕበሉ ሃገራት ኣብ ከም እኒ ደቡብ ኤስያ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ይፍትኑ፡፡ ንዕኦም ብዝጠቅም መንገዲ ክቕረፅ ከም ዕላማ ይሰርሕሉ። ከምኡ ምሕሳቦም ጌጋ ኣይኮነን ብባዕሎም ወይ ንባዕሎም፤ ምኽንያቱ ጥቕምና ዝብልዎ ንሱ እዩ ዝጠቕሞም ይሰርሑ ኣለው፡፡ ብኣንፃሩ ዘይማዕበላ ሃገራት ነዚ ጉዳይ ነቂሐን ናይ ምክልኻል ሓይለን ከማዕብላ ኣለወን፡፡ ምኽንያቱ ጥቕመን ብምክልኻል ስለዝረጋገፅ እዩ፡፡ ካልኣይ ሱቕ ኢልካ ምዕፃው ዘይኮነስ ናይ ምጥቃም ዓቕመን ከማዕብላ ዘለወን፡፡  ካብዚ ኣንፃር ክትርእዮ ከለኻ ሕህዳር ኣጠቃቕማ ሳይበር፤ ሓደ ብዙሕ ተጠቃሚ የለን፣ ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ ዘሎ መረዳእታ ከባቢ 15 ሚልዮን እዩ ካብ 100 ሚልዮን ተጠቃሚ ዝብሃል፡፡ ከባቢ 15% እዩ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጠቃሚ ዘሎ፡፡ ብኣንፃሩ ኣብ ኬንያ እንተርኢና ካብ 48 ሚልዮን ህዝቢ 43 ሚልዮን ተጠቃሚ ኢንተርኔት እዩ፡፡ 90% ህዝቢ ኬንያ ተጠቃሚ ኢንተርኔት እዩ፡፡ ብኻልእ ኣብ ኢትዮጵያ 4.5 ሚልዮን ፌስቡክ ንጥቀም፤ ኣብ ኬንያ 6 ሚልዮን ተጠቃሚ ፌስቡክ ኣሎ፡፡ ሕዚ እቲ ምትእስሳርና ገና ዘይማዕበለ እዩ፡፡ እንተኾነ ምዕባሌኡ ክቕፅል እዩ፣ ፍጥነት ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ኣብ 2000 ዓ.ም ከባቢ 10000 ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ነይሮም፣ ሎሚ ግና ከባቢ 16 ሚልዮን ተጠቃሚ ኣሎ፡፡

እዚ እንዳሃለወ ኣብ ኢትዮጵያ ሳይበር መሰረት ገይሮም ንኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ፣ ሓደሽቲ ሓሳባን ንኸምፅኡ ዝጥቀምሉ ቢዝነስ ዝጀመሩ ኣለዉ፤ ብብርኪ ኢንዱስትሪ ግና ገና እዩ፡፡ ስለዚ ሳይበር መሰረት ዝገበረ ኢንዳስትራላይዜሽን ክምፅእ ኣለዎ፡፡ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ዕዳጋ ማለት እዩ፡፡ ፍልጠት እዩ ዝሽየጥ፤ ንኣብነት ጉጉል ሕዚ ፍልጠት እዩ፡፡ ጉጉልን ፌስቡክን ብቢሊዮን ዝግመት ዋጋ ንኸውፅኡ ዝገበረ ፍልጠት እንበር ከምዚ ናይ ቀደም ማተሪያል ካፒታል ከም ነዳዲ ወይ ማዓድን ኣይኮነን፡፡ ብቢሊዮን ዝሽየጥ ዘሎ ሓሳብ እዩ፡፡ ሎሚ ሰታርት ኣፕ እንዳተባህለ ብቢሊዮን እዮም ዝሽየጡ ዘለዉ፡፡ ስለዚ ኣብ ዓድና ዘሎ እንዳስትሪ በዚ መነፅር ክትርኢዮ ከለኻ ገና ዘይማዕበለ ኣብ ናይ ደገ ዓለምለኸ ትካላት ኢንዳትሪ ፅግዕተኛ ወይ ተላኣኣኺ ዝኾነ ወይ ድማ በብከባቢኡ ዝተበታተነ ዘይተኣሳሰረ እዩ፡፡

ስለዚ ኣብዚ ለውጢ እንተዘይኣምፂኡ እቲ ቅድም ክብል ዝበልካዮ ኣብቲ ኢንተርኔት ፌስቡክ ዘሎ ጫውጫው ክቕየር ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ንፖሊቲካ ዝውስኖ ኢኮኖሚ እዩ፡፡ ኣብ ኢኮኖሚ ለውጢ እንተዘይመፂኡ ኣብቲ ፖሊቲካ እውን ለውጢ ምምፃእ ኣሸጋሪ እዩ፡፡ ስራሕ ዘይብሉ ብዙሕ ዝተማህረ ዘለዎ መንእሰይ ኣሎ፡፡ ሕዚ ኢንተርኔት ክረክብ ከሎ ንሕማቕ ፖሊቲካዊ ጭቕጭቕ ክጥቀመሉ ግድን እዩ፡፡ ስለዚ ኣብቲ ኢንተርኔት/ፌስቡክ ዝርአ ዘሎ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ጉጉይ ኣካይዳ ወይ ድማ ሕማቕ ኣጠቃቕማ፣ ጭቕጭቕ ነፀብራቕ ናይቲ ህሉው ደረጃ ኢኮኖሚ እዩ ኢለ ይሓስብ፡፡ ብኻልኣይ ድማ ናትና ሳይበር ኣብ ናይ ደገ ፅግዕተኛ ወይ ፅዕንቶ ውሽጢ እዩ ዘሎ፡፡ እቲ ናትና ፅግዕተኛ እዩ፤ ኣብ ናይ ባዕልና ምዕባለን ሓሳብን ዝተመስረተ ኣይኮነን፡፡ ቋንቋና ናይ ኢንተርኔት ቋንቋ ኣይኮነን፡፡ ቋንቋና፣ ትውፊትናን ባህልናን ምንም ቦታ የብሉን ኣብቲ ኢንተርኔት፡፡ ስለዚ ክልወጥ ኣለዎ ማለት እዩ፡፡

Photo - General Teklebrhan Woldearegay, Director General of INSA
Photo – General Teklebrhan Woldearegay, Director General of INSA

ውራይና፦ ሳይበር እንታይ እዩ? ምህዳር ሳይበር እንታይ እዩ? ትካልኩም እንታይ እዩ ዝሰርሕ? ምትእስሳር ሳይበር እንታይ እዩ? ከመይ ሳይበር ንቢዝነስ ፈጠራ ወይ ንረብሓ ክውዕል ይኽእል? ንሃትኩም ግደ ኸ እንታይ ክኾን ይኽእል?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር) ፦  ሳይበር ዝብሃል ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎ፡፡ ንዓና ሳይበር ማለት ሰለስተ ነገራት ዘማለአ እዩ። ምትእስሳር፣ መስተጋብር (interaction)ን ርክብን እዩ፡፡ ናይ ሰለስቲኦም ውህድ እዩ፡፡ ኣብ ምትእስሳር ዝተመስረተ ርክብ፣ ኣብ ምትእስሳር ዝተመስረተ ርክብ ድማ ዝፈጠሮ መስተጋብር ኣሎ፡፡ መስተጋብር፣ ርክብ እንታይ እዩ ኢልካ ክትወስድ ከለኻ መሰረተ ልምዓት ኣሎ፡፡ ኣብዚ እዋን ዝኾነ መሰረተ ልምዓት ኮምፒዩተር ማእከል ዝገበረ እዩ፡፡ ኮምፒዩተር ዝብሃል ኣብ ጠረጴዛ ነቐምጦ ዴስክቶፕ ጥራይ ኣይኮነን ቺፒስ ወይ ዲጂታል ቴክኖሎጂ እውን መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ ናይ ዝኾነ መሰረት ልምዓት ኢነርጂ፣ ማይ፣ ባቡር፣ ትራንስፖርትን ሚዲያን ኩሎም ኮምፒዩተር ማእከል መሰረት ዝገበሩ እዮም፡፡ ዓለም ሐዚ ብፋይቨር (ኢነተርኔት እንብሎ) ተኣሳሲራ እያ።  ንኢንተርኔት ዘተኣሳሰረ ዝርገሐ ፋይቨር እንተወሲድና ድማ ብትካል ኣሜሪካ ኢዩ ተሰሪሑ፡፡ ቻይና እውን One Belt Road /መቀነት ሓደ መንገዲ/ ዝብሃል ፕሮጀክት ነዲፎም እቲ መሰረተ ልምዓት ብናቶም መንገዲ ንምዝርጋሕ ይንቀሳቀሱ ኣለዉ፡፡ ፋይበር ጥራይ ዘይኮነስ ሳትላይት እውን ኣለዉ፡፡ መሰረት ልምዓት ኣሎ፡፡ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ማእከላት ዳታ ኣለዉ፡፡ ሳትላይት መሰረት ዝገበሩ ዓበይቲ ትካላት ሚድያ ኣለዉ፡፡

እዚ ብቐሊሉ ክትገልፆ ዘይትኽእል ዝተሓላለኸ መሰረተ ልምዓት ኣሎ፡፡ ነዚ መሰረት ልምዓት ዘመሓዳድር ድማ ሶፍትዌራት፣ ሕጊ፣ ፕሮተኮልን ስታንዳርድን ኣሎ፡፡ ስለዚ እዚኦም እውን ናይቲ መሰረተ ልምዓት ኣካል እዮም፡፡ ኣብዚኦም ድማ ኢንፎርሜሽን ኣሎ፡፡ ኢንፎርሜሽን ከም ሱር ደም እዩ ዘገልግል፡፡ እቲ ኢንፎርሜሽን ስቶርድ/ቑሙጥ እዩ፡፡ ዝቋፅሩ፣ ዝትንትኑን ዝፍንዉን መሳርሕታትን ቦታታትን ኣለዉ፡፡ ካብዚ ሓሊፍካ እውን ነዚ ዘመሓድር፣ ዝጥቀም፣ ሰብ እውን ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ነቲ መስተጋብር ዝፈጥር ሕብረተሰብ እውን ኣሎ፡፡ ሓረስታይ ዓድናን ሓረስታይ ኣሜሪካን ዝፈጥርዎ መስተጋብር ኣሎ፡፡ ሓረስታይ ዓድና ብምንታይ ኣቢሉ አዩ ምስ ሓረስታይ ኣሜሪካ ዝራኸብ፤ ንኣብነት ዕዳጋ ቡን እንተወሲድና ኣብ ኒውዮርክ ብዘሎ ዋጋ ስቶክ ማርኬት እዩ ዝውሰድ፡፡ ሓረስታይ ኣሜሪካ ዘይኮነስ ተጠቃሚ ኣሜሪካ እዩ ዝውስኖ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ሓረስታይ ንደገ ሰደድ ክገብር ስርናይ ዘምርት ጥራይ ዘይኮነስ እንታይ ዓይነት ኣሎ፣ ዋጋ ክንደይ ኣሎ ፈሊጡ እዩ፣ ዋላ እውን ድርቂ እንተተኸሲቱ ንዓዓቶም ዕድል እዩ፡፡ ዓለም ይከታተልሉ ማለት እዩ፡፡ ባላዊ መስተጋብር ኣሎ፡፡ ስለዚ ሳይበር ንብሎ ድምር ምትእስሳር፣ መስተጋብር (interaction)ን ርክብን እዩ፡፡

ውራይና፦ ስለዚ ሉኣላውነት ኣብ ከማና ዝበላ ሃገራት ብቀሊሉ ክጥሓስ ይኽእል ማለት ድዩ?    

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ቅድሚ ሕዚ ሉኣላዊነት ምስ ዶብ ኢዩ ዝተሓሓዝ ነይሩ፡፡ ሎሚ ግና ብሳይበር ዶባት ይፈርሱ ኣለዉ፡፡ ልኣላውነት የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ ንኣብነት ሕጊ ኣውፂእካ ንሃገር ምምሕዳር እንተሃልዩ እሱ እውን ሉኣላውነት እዩ፡፡ ውሳነታት ዝውስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡ ህዝቢ እውን ብምርጫ ኣቢሉ መንግስቲ ይመርፅ፡፡ ስለዚ ተደሚሩ ሉኣላውነት ማለት መሰል ህዝቢ ምርጋግፅ እዩ፡፡ ድልየትን መሰልን ህዝቢ ምምላእ እዩ፡፡ ግና ነዚ ዝፈታተኑ ኩነታት እዮም ዝፍጠሩ ዘለዉ፡፡ ንኣብነት ዝኾነ ናይ ካልእ ዜግነት ዝሓዘ ሓደ ውልቀ ሰብ ሓንቲ ላፕቶፕ ሒዙ፣ ኮኔክሽን ኢንተርኔት ተጠቂሙ ኣብ ወፃኢ እንዳነበረ ነቲ ኣብዚ ዘሎ ሓይሊ ብዝተዛበዐ መንገዲ ነውፂ ዘንቀሳቅሰሉ ኩነታት ኣሎ፡፡

እዚ ሕዚ ሳይበር ከም መሳርሒ ጥፍኣት ምጥቃም እዩ፡፡ እዙይ ላእላውነት ምድፋእ እዩ። ሕዚ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ኣሎ፣ ብኣንፃሩ ድማ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ሓይሊ ነቲ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ብነወፂ ንኸወግድ ይፍትን፡፡ ልኣላውነት ሰፊሕ እዩ ትርጉሙ፡፡ ሕዚ ዶብ ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ ነይሩና፡፡ ኣብ ምምሕዳር ጉዳይ ሳይበር ግና ዶብና ወይ ወሰና ኣበይ እዩ? ዶብና ከመይ ኢና ንከላኸሎ? ኣሸጋሪ እዩ፡፡ ኣብ ወሰን ወይ ኤርፖርት ኮይንካ ፍሰት ሰባት ብቪዛ ትቆፃፀር ነይርካ፡፡ ፍሰት ኣቕሓ ዝምልከት እውን ብጉምሩክ ኣቢልካ ትቆፃፀሮ፡፡ ኢንፎርሜሽን ግና ከመይ ኢኻ ትቆፃፀሮ? ኢንፎርሜሽን ቪዛ የብሉን፣ ወይ ከይዲ ስነ ስርዓት ጉምሩክ ዝኽተል ኣይኮነን፡፡ ናይ ባዕሉ ከይዲ ፍሰት ኣለዎ፡፡

ስለዚ ትካልና ዓድና ናይባዕላ ምምሕዳር ሳይበር ንክህልዋ እዩ፡፡ ዝተበታተነ እዩ ዘሎ፡፡ ቅርፂ ዘለዎ እነመሓድሮ፡ ተመሓድር ትኽእል ኢኻ፡፡ ምስ ካልኦት እውን ክትደራደር ትኽእል ኢኻ፡፡ ስለዚ ምስ ዓለም ምትእስሳር ዝፈጥር ምህናፅ ምምሕዳር ሳይበር ኢትዮጵያ ስለዘድሊ ብፍልጠት ኣብ ካሪክለም ዩኒቨርስታት ክኣቱ፣ ሕግን ፖሊስን ሳይበር እውን ክህልወና፡፡ ብስትራተጂ ደረጃ እውን ምትእስሳር ክህሉ፡፡ ምክልኻል ዓቕሚ እውን ንኽዓቢ ክኢላ ሓይሊ ሰብ ንኽህነፅ፡፡ ኢንዳስትሪ ንክዓቢ እውን ዘነቃቕሑ ሰብ ሃፍቲ ክፍጠሩ፡፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ምትእስሳር ክፍጠር፣ ኣብ ሳይበር ብፍላይ ኣብ መጥቃዕትታት ሳይበር ፅንዓታት ውሽጢ ዓዲ ክህሉ፡፡ ዕዳጋታት ውሽጢ ዓዲ እውን ክፍጠር፡፡ ኣብኡ ምንጣፍ እዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ በዚ ሕዚ ዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕትታት ሳይበር ክምክት ዝኽእል ዓቕሚ ምክልኻል ንኽህነፅ እዚ ትካልና ፃዕሪ ይገብር፡፡ ግና በይኑ ከምዚ ይገብር ማለት ኣይኮነን፣ እቲ እንደልዮ ነገር ክዕወት እንተኾይኑ ሃገራዊ ምትእስሳር ብምፍጣር እዩ፡፡

ውራይና፦ ማሕበራዊ ሚድያ ከምቲ ዝበልካዮ ሓደ ሰብ ኣብ ወፃኢ ሃገር ኮይኑ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሉ ጥቕምታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ሓበሬታት ናይ ምፅሓፍ ወይ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምብካል ተኽእሎ ኣለዎ፡፡ እቲ ትኽክል ዝፃሓፍ ሓበሬታ ፅቡቕ እዩ፤ ዘዛርበና ዘሎ እቲ ጎዳኢ እዩ፡፡ ጌጋ ሓበሬታ ሒዙ እዩ ዘዛብዕ ዘሎ።  ብስሩ እውን ረብሓ ሃገር ሒዙ ዘይኮነስ ብረብሓ ካእል ሓይሊ እውን ናይ ምንቅስቃስ ተርእዮ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ነገር እንታይ ክግበር ይኽእል፡፡ እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡፡ ትካልኩም ትኽክል ንዘይኮኑ ሓበሬታታት ዝመምየሉ (refine) መሳርሒ ወይ ነዚ ንምክልኻል ዘኽእሎ ሕጋዊ ማዕቀፍ ኣሎዎ ?   

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  እሺ እዚ ሳይበር ኣቢሉ ዝፍጠር ዘሎ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ከመይ ንከላኸሎ ዝብል እዩ፡፡ ብዋናነት ሕብረተሰባዊ ንቕሓት እዩ ዝውስኖ፡፡ ሕብረተሰባዊ ንቕሓት እንተዓቡ እዩ ክንከላኸሎ ንኽእል፡፡ ንቕሓት ማለት እዚ መርበብ እዚ ዕድል እንድዩ፡፡ ከም ዕድል ናብ ቢዝነስ ወይ ናብ ኣወንታዊ ማሕበራዊ ርክባት ምቕያር ይከኣል፡፡ ብፍላይ እቲ ዝተማሃረ ከም ዕድል ወሲዱ ናብ ረብሕኡ ከውዕሎ ኣለዎ፡፡ ሕዚ ግና ክንሓልፎ ዝግበአና ነገር ኣሎ፡፡ ማሕበራዊ ሚድያ ሓድሽ ክስተት እዩ፡፡ ሕብረተሰብና ድማ ነዚ ማሕበራዊ ሚድያ ክለማመዶ ኣለዎ፡፡ ክለማመዶ እንተኾይኑ ከዓ ክፍቲ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ስለዚ ማሕበራዊ ሚድያ ክዕፆ ዘይኮነስ ክሰፍሕ እዩ ዘለዎ፡፡ ነዚ እዩ ከዓ መንግስቲ ኣብ ዝርገሐ ቴሌኮሙኒኬሽን ኣበርትዑ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ ንግዚኡ ግና ሽግራት ክህሉ እዩ፡፡ እቲ ጠንቂ ግን ማሕበራዊ ሚድያ ኣይኮነን፣ እቲ ጠንቂ ካልእ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብቲ ሱር ጠንቂ ኢኻ ክትሰርሕ ዝግባእ፡፡ ኣብ ኢንተርኔት ዝረአ ዘሎ ሽግር ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ፀገም ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓደ ንቕሓት ኣጠቃቕማ ሕብረተሰብ እዩ፡፡ ብኻእል ድማ መንግስቲ ብመሓውሩ ኣቢሉ ዝወስዶም ስጉምትታት ኣለዉ፡፡ ኣዋጅ ኮምፒዩተር ኣሎ፡፡ ኣጠቃቕማ ከም ድላይካ ኣይኮነን፡፡ ብዘይኣግባብ ምጥቃም ሳይበር ከምዘቕፅዕ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት እውን ነናቶም ተራ ኣለዎም ከም ፌዴራል ፖሊስ ፣ ዓቃቢ ሕጊ ዝኣመሰሉ፡፡

ውራይና፦ ሕጊ ሳይበር/ኮምፒዩተር ማለት እንታይ እዩ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ኣዋጅ ኮምፒዩተር ካብ ዝወፅእ ክልተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ፡፡ ኮምፒዩተር መሰረት ዝገበሩ ገበናት ኣለዉ፡፡ ንኣብነት ከም ስርቒ መንነት ሰባት፣ ምስራቕ ብምስጠር ዝተሓለወ ሓበሬታ፣ ፀለመ ሰናይ ሽም ሰባት፣ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ምጉህሃርን ምጥቃዕን ካልኦትን ከም ገበን ኮይኖም ወፂኦም ኣለዉ፡፡ ኮምፒዩተር ከም ድላይካ ትጥቀመሉ ዘይኮነስ ብሕጊ እውን ትሕተተሉ ከምዝኾነ፣ እቲ ሕብረተሰብ እውን ነዚ ሕጊ ክፈልጦ ኣለዎ፡፡ ሽግር ክገጥሞ ከሎ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ክብል ኣለዎ፡፡ ስለዚ እቲ ሓደ ሕጊ እዩ፣ ካልእ ድማ ነዚ ሕጊ ናይ ምፍፃም ብቕዓት እዩ፡፡ ፖሊስ ብቕዓት ምርመራ ክህልዎ ኣለዎ፡፡ ምርመራ ዲጂታል ክህነፅ ፃዕሪ ክግበር ኣለዎ፡፡ ነዚ እውን መንግስቲ ባጀት መዲቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡፡ ብኻልእ መንገዲ ግን ሃገራዊ ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ኣለዉ፡፡ ከምቲ ዝበልካዮ  ገለ ገለ ሓይልታት ምስ ራዕዳውያን ሓይልታት ተሓባቢሮም ስትራተጂ ነዲፎም ስነልቦናዊ ኩናት ዝኸፈቱ ኣለዉ፡፡ ነዚ ንምክልኻል ብቀንዲ ዝነቕሐ ሕብረተሰብ ምፍጣር፣ ብካእል ድማ መንግስቲ ነዞም ሽግራት ዝከላኸለሉ ዓቕሚ ክሃንፅ ኣለዎ፡፡ ሕዚ ከም እኒ ኢንሳ ዝበሉ ትካላት ናይ ባዕሎም ተራ ክፃወቱ ኣለዎም፣ ይፃወቱ ኣለዉ፡፡

ውራይና፦ ሐዚ ኣብዚ ሃገር ኣብቲ ኣብቲ ዝራኣዩ ቁልውላው፣ ዓመፃት ወይ ኣንፀርፅሮት ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ካብ 2008 . ጀሚሩ ኣብቲ ተወተፍካዮ፣ ኣብቲ ይወፅእ፡፡ ምንቕስቃስ መንእሰያት ኣለዉ፡፡ እቶም ሓደ ሓደ እውን ሕቶ ህዝቢ እዮም ክትብሎም ትክእክ ኢኻ፡፡ ግና ሰባት ብጣዕሚ ዝርብሹ ኩነታት እዮም ዘለዉ፡፡ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ እውን ተኣዊጅዎ እዩ፡፡ ሓቀኛ መበገሲ እቶም ፀገማት እንታይ እዩ?  ናይዚ ጉዳይ መዋቕራዊ ምንጪ እንታይ እዩ ትብሎ?  

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ሓደ ምንጪ ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ። ብሕልኽላኽ ስለሓሳብ (complex theory) እዩ ክርአ ዘለዎ፡፡ ሓደ ሚንጪ ደሊኻ ንምውፃእ ዝግበር ፈተነ ከንቱ እዩ ዝኸውን ውፂኢቱ፡፡ ብማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ ታሪኻው፣ ቴክኖሎጂካዊን ብዓለምለኻዊ ኩነታትን ምትእስሳርን እዩ ክርአ ዘለዎ፡፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብዙሕሕን እዩ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ጥራይ ተገይሩ እውን ክርአ የብሉን፡፡ ካልእ ኢትዮጵያ ኣብ ከመይ እያ ዘላ ዝብል እውን ክርአ ኣለዎ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ስግግር ትርከብ ሃገር እያ፡፡ ኣብ ዝኾነ ሃገር ኣብ ስግግር ዝገጥሙ ፈተናታት እውን ኣሎ፡፡ ናይ ስረዓት መሰረታዊ ለውጢ እዩ ተኻይዱ። ካብቲ ዝሓለፉ ስርዓታት መሰረታዊ ለውጢ ስርዓት እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡ እዚ ሓዱሽ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተመስረተ ፌዴራሊዝም እዩ፤ለ እዙይ ድማ ገና ሱር ክሰድድ ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ ካብ ማእከል ዝፍልፍል ስልጣን ዝገዝኦ ስርዓት እዩ ነይሩ፡፡ ስልጣን ካብ ገዛኢ ደርቢ እዩ ዝፍልፍል ነይሩ፡፡ እዚ ሕዚ ዘሎ ድማ ስልጣን ካብ ህዝቢ እዩ ዝፍልፍል፡፡ ንዘመናት ዓመታት ስልጣን ካብ ሓደ ንጉስ ወይ ካብ ማእከል ዝፍልፍል ስልጣን ዝገዝኦ ዓዲ እዩ ነይሩ፡፡ እሞ ኣብዚ መንጎ እዚ ግጭት ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣራእያያና ናይ ስርዓት ግጭት ኣሎ ዝብል እዩ፡፡ ብሓደ ገፅ እዚ ሓድሽ ስርዓት ሱር ክሰድድ ይደሊ ኣሎ፤ ብኻልእ ገፅ ድማ እቲ ሰሪቱ ዝፀንሐ ስርዓት ነዚ ሓድሽ ስርዓት ከምዘይሰርሕ ንምርግጋፅ ዕንቕፋት ክፈጥር ኣለዎ፡፡ እቲ ዝፀንሐ መዋቅር መሊኡ ክጠፍእ ግዜ የድልዮ እዩ። ናይዚ ስርዓት ትሕቲ ቅርፂ ዝፍተነሉ እዩ፡፡ ስለዚ ብኡ ደረጃ እና ክንሪኦ ዘለና፡፡ ሳልሳይ መንገዲ እውን ዝተፈለየ ሓድሽ ድሌን እውን ኣሎ፡፡ ብርግፅ እቲ ዝነበረ ስርዓት ንምቕፃል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ወይ ብኻልእ መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኒዮሊበራል ኣተሓሳስባ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ኢትዮጵያ ትኸዶ ዘላ ኣካይዳ ኣየዋፅእን ዝብል ቁዋም ሒዙ ነዚ ዝገጥም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብኻልእ ድማ ኣብ ውሽጥና ዝፍልፍል ድሌታት ኣለዉ፣ ናይ ብዙሓት ኣካላት ሕብረተሰብ መስተጋብር ስለዝኾነ ማለት እዩ፡፡

ሽግግር ኣብ ኩሉም መዳያት ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖሊቲካዊን መንነታዊን፣ ቴክኖሎጂያዊ፣ ታሪክ ወዘተ ኣሎ እዩ፡፡  ንኣብነት ማሕበራዊ እንተወሲድካ ምስፍሕፋሕ ስርዓት ትምህርቲ ዝፈጠሮ ብዙሕ ዝተመሃረ ሓይሊ ሰብ ኣሎ፡፡ እዚ ዓቕሚ ፈጠራ ስራሕ ክዓቢ ኣለዎ፡፡ ዓቕሚ ፈጠራ ስራሕ ስለዘየለ እውን መብዛሕቲ ተፀባዩ እዩ፡፡ ሕዚ እቲ ዝፀንሐ መዋቕር ከመይ ከም ዝጋጮ ንርኣዮ፡፡ እቲ ዝፀንሐ ኣካይዳ ኣብ መንግስቲ ተቖፂሩ ዝሰርሕ ዝነበረ፤ ግና እቲ ዝመሃር ዝነበረ ሓይሊ ሰብ ኣዝዩ ውሱን እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ኢኮኖሚ እውን ካብ ማእከል ዝርከብ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ዝነበረ ስለልቦና ሕዚ እውን ኣይለቐቐን፡፡ መንግስቲ ስራሕ ከትሕዞ እዩ ዝፅበ፡፡ ብኻልእ ገፅ ድማ እዚ ሓድሽ ስርዓት እቲ ዝሰርሖ ዓቕሚ ምዕባይ እዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ስርዓት  ካብቲ መንእሰይ ዓርሱ ክኢሉ፣ ነፃ ኮይኑ ሃፍቲ ዝፈጥር ኩነታት እዩ ዝፅበ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ግጭት ኣሎ፡፡

ብርግፅ መንግስቲ መንእሰይ ዓርሱ ንኽክእልን ዓቕሚ ንኽፈጥርን ብፖሊሲ ደጊፉ መደባት ከውፅእን ምቹው ኩነታት ክፈጥርን ኣለዎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ዓቕሊ ዝፀበቦ ሓይሊ (suffocated) ይፍጠር ኣሎ፡፡ ወይ መሬት ረኺቡ መሬት መሰረት ገይሩ ዘፍሪ ኣይኮነን፤ ወይ ድማ ኣብ ኢንዳስትሪ ክኣቱ ኣይከኣለን፡፡ ወይ ድማ ካብ መንግስቲ ከይተፀበየ ናይ ባዕሉ ስራሕ ከም ኣብ ካልኦት ዝሰልጠነ ማሕበረሰብ ዘሎ ክፈጥር አይከኣለን፡፡ ስለዚ ብዙሕ ሓይሊ ብትምህርቲ ዝሓለፈ  እኩብ ሓይሊ ኣሎ፡፡ እዚ ሕዚ ናብ ጭቡጥ ዓቕሚ ናይ ምልወጥ ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ዕድል እዩ፣ ጥፍኣት ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ከም ዕድል ክጥቀም ዝኽእል መንግስታዊ መሓውር ክህሉ ኣለዎ፡፡ ዝመርሕ ማለት እዩ፡፡ እዚ ናይ ኩሉ ብድሆ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ብሄር መሰረት ኣይገብር፣ ዘርኢ መሰረት ኣይገብር፡፡ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብድሆ እዩ፡፡ መብዛሕቲኡ ግዘ ባዕልና ኣብ ዝኾነ ይኹን ጫፍ ከይድና ጠራዕራዕ ንብል፡፡

ማሕበራዊ ለውጥታት ናይ ምፍጣር ኩነታት ኣሎ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ መሬቱ ተተኹሉ ዝሰርሕ ዘፍሪ ገባር ነይሩ፡፡ ኣብ ከተማ እውን ነጋዳይ ዝብሃል ነባራይ ከተማ ነይሩ፡፡ ሕዚ ከዓ ካብ ገጠር ዝወፀ ዝተማህረ ወዲ ሓረስታይ ብብዝሒ ዝተመሃረ ሓድሽ መንእሰይ ኣሎ፡፡ እዚ ለውጢ በቲ ዝፀንሐ መዋቕር ዝኸይድ ኣይኮነን፡፡ እቲ ርክባት እውን ተቐይሩ እዩ፡፡ ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ኢኮኖሚ ካብ ሕርሻ መሬት ኣይወፀን እቲ ሕርሻ እውን ዘመናዊ ኣይኮነን፡፡ እታ መሬት ከዓ በቲ ዝፀንሐ ገባር ተታሒዛ እያ፡፡ መሬት ዝተቖፃፀረ ገባር ኣሎ፡፡ ሓድሽ ዝፍጠር ሰብ እውን ኣሎ፡፡ እታ መሬት ንኹሉ ከተታኣናግድ ድማ ኣይትኽእልን፡፡ ስለዚ እቲ ዝፈልስ ዘሎ መንእሰይ ክሽከም ዝኽእል ካልእ ኢኮኖሚያዊ ትሕቲ ቅርፂ የለን ከም ኢንዳስትሪ ዝበለ፡፡ ወይ ድማ ኣብ መሬቱ ኮይኑ ካብኣ ከይተነቕለ ናብ ኢንዳስትሪ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ኣፀጋሚ እዩ፡፡

ብኻልእ ድማ ታሪኽን መንነትን ኣሎ፡፡ እቲ ሓደ ዓብይ ሽግር ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኽ ብትኽክል ኣይተፃሕፈን፡፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ትኽክለኛ ታሪኽ ኣይተፃሕፈን፡፡ ታሪኽ ኣይትልውጦን ኣይትውስኸሉን፤ ታሪኽ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ሓቂ መሰረት ዝገበረ ፅሑፍ ታሪኽ የለን፡፡ ዝተፈላለየ ሓሳብ እዩ ዘሎ፡፡ ታሪኽ ከም ሓድሽ ንኽፅሓፍ ምንቕስቃስ ኣሎ፡፡ ታሪኽ ንምፅሓፍ እውን ፖሊቲካዊ ድልየታት ዘለዎም ሓይልታት ኣለዉ፡፡ ፖሊቲካዊ ታሪኽ ብምዝባዕ ከማልኡ ዝደልዩ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግጭታት ኣለዉ፡፡ ስለዚ ናይ ቕልውላው ነገር ኣሎ፡፡ ብኻልእ ድማ ካብ ደገ ዝመፅእ ተፅዕኖ ኣሎ…..

ውራይና፦ ኣብዚ ግና ብናተይ ርእይቶ ኣብቲ ታሪኽ ዝበልካዮ ዝተፃሕፈ ታሪኽ ኣሎ እዩ፡፡ እቲ ዝተፀሓፈ ታሪኽ ብዝተዛበዐ ዝተፀሓፈ ምዃኑ ሓደ ፀገም እዩ ንሱ ከምቲ ዝበልካዮ እቲ ሓቂ ክፍለጥ ብምግባር ክመዓራረ ይኽእል እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህንፀት ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ታሪኽ እንትትርኢ ብሓቂ እቲ ኣበርክቶ ይፈላለ እዩ፡፡ እዚ ነቲ ኣፃሓሕፋ ታሪኽ ኣድላዊ ክኸውን ግደ ኣይነበሮን ኣይበሃልን፡፡ ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ኣብ ከይዲ ህንፀት ኢትዮጵያ ኣይነበረን፡፡ እቲ ቅድም ክብል ዝበልካዮ ለውጢ ስርዓት ዝምልከት፤ ማለት ቀደም ዝኾነ መንግስቲ ነይሩ ነዚ እውን ይውክለኒ ዝብል ሕብረተሰብ ኣሎ፤ ካልእ ግና ከምዘይምልከቶ እዩ ነይሩ፡፡ ሎሚ ግና ኩሉ ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ኣብ ህንፀት ሃገር ኣለዎ፡፡ እታ ታሪክ እናተለዓለት ግን ንታ ኢትዮጵያ ሐዚ እውን እንተኾን ማዕረ መርአዪ ከይህልወና ይገብር። ኣብታ ኢኮኖሚ ዝበልካያ ድማ ሕዚ እቲ መሬት ዘይልወጥ እዩ ግና ቫልዩ ክውሰኾ ይኽእል ነይሩ እዩ፡፡ እሱ ኣይተገብረን፡፡ ደሓር ቫልዩ ከይወሰኸ እቲ ሓሪሱ ዝበልዐላ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ‘ውን ነታ መሬት ክጥቀመላእውን ድሌት ስለዘለዎ ጎንፅታት ኣለዉ እዮም፡፡ እዚታት ከመይ ይመዓራረ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  እዚ ዝፀንሐ ታሪኽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብሄራት ዘለዎም ርክብ ዘዛብዕ ስርዓት ፀኒሑ፡፡ ንኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ኣራኣእያ ክትርአ ዝገበራ እዩ፡፡ እዚ ኣካል ታሪኽና እዩ፡፡ እዚ ሕዚ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ድማ ነዚ ዝተዛብዐ ርክብ ከስተኻኽል እዩ መፂኡ፡፡ ስለዚ እዚ ቅቡልነት ክረክብ እንተኾይኑ ከይዲ የድልዮ እዩ፡፡ ብተግባር ክፍተን ኣለዎ፡፡ ቅቡልነት ናይዚ ሓድሽ ርክብ ብተግባር ይፍተን እዩ ዘሎ፡፡ ስለዚ ቅድም ኢለ ከም ዝገለፅክዎ ኣብ መንጎ ስርዓታት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እዩ፡፡ ኣብቲ ኢኮኖሚ እውን ብተመሳሳሊ ይፍተን እዩ ዘሎ፡፡ እቲ ሃፍቲ ሰብ እዩ ዝፈጥሮ፡፡ ኩሎም ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታት ናይ ባዕሎም ሃፍቲ ክጥቀሙ፣ ዘለዎም  ዝፈቕድ ስርዓት እዩ፡፡ ግን ሃፍቲ ክውስኹ ኣለዎም፡፡ እዚ ቁጠባዊ ስርዓት ኣካይዳ መሬት መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ ናብ ኢንዳስትሪ፣ ቴክኖሎጂን ኢንፎርሜንን ክሰጋገሩ ኣለዎም፡፡ እታ ዘላ ዕንክሊል ግና ካብታ መሬት ተውፅእ ኣይኮነትን፡፡ እታ መሬት እውን እሴት ከይወሰኽካ ሃፍቲ ዘፍጥር እንተኾይና ናይ ስርዓት ስግግር ኣይተገብረን ማለት እዩ፡፡ ገለ ገለ ሓይልታት ምስ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ተማሻጢሮም ዝገብርዎ ርክብ ኣካብነት ክራይ እዩ፡፡ ቫልዩ ከይወሰኽካ መሬት ብምሻጥ፣ ብምልዋጥ መሰረት ገይሩ ሃፍቲ ዝኣከበ ሓይሊ ኣሎ እዩ፡፡

ኣብቲ ኢኮኖሚ ብዘየቛርፅ መንገዲ ኩሎም ህዝብታት እሴት ዝፈጥርሉ ምዕባለ እንተዘይተረጋጊፁ ወይ ድማ ዝሰጋገርሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ፤  ኣብታ ዝፀንሐት ሃፍቲ ወይ ተፈጥሮ ኣብ ዝሃበትካ ጥራይ መሰረት ዝገበረ ህይወት እንተሃልዩ መን ሰፊሕ መሬት ኣለዎ? መን ልሙዕ መሬት ኣለዎ? መን ማዓድን ኣለዎ?  ዝብል እዩ ዝመፅእ፡፡ ኣብዚ ድማ ምቅፃፅ እዩ ዝመፅእ፡፡ ምቅፃፅ እንተሃልዩ ድማ ናተይ ዝብል ኣካል ኣሎ፡፡ ኣብኡ ዝነበረ ማለት እዩ፡፡ ካልእ ድማ ድሒሩ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመፅእ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ሕፅረት ስለዘሎ ኣተሓሳስባ ሕፅረት ገዛኢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ምቕፃፅ ግድን እዩ፡፡ ነዚ ተኸቲሉ እውን “መጤ” ዝብል፣ ንሕናን ንሶምን ዝብል ምምፅኡን ጎንፂ ምልዓሉን እውን ግድን ይኸውን፡፡ ስለዚ ንሱ ነቲ ደረጃ ምዕባለ ውፅኢት እዩ ዝኸውን፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ኣብቲ ኢኮኖሚ ንሱ እዩ ዝመስለኒ።

ኣብቲ ፖሊቲካ እውን ቅድም ከምዝበልክዎ እውን እቲ ሕገ መንግስቲ ሓድሽ ርክብ ህዝቢ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፡፡ እዚ ውን ኣብ ተግባር ክውዕል ከሎ ምውዳቕን ምትሳእን ኣሎ እዩ፡፡ እዚ ግና ፅኑዕ መሪሕነት የድልዮ እዩ፡፡ ብመሪሕነት ዝፍጠር ሽግር እውን ኣሎ፡፡ ስለዚ እቲ ሽግር ሕልኽላኽን ናይ ብዙሓት ምኽንያታት ውፅኢት ኢዩ፡፡ ኣብ መሪሕነት ክንመፅእ ከለና፡፡ እዚ ዘሎ ሽግር ናይ ሕገ መንግስቲ፣ ፖሊሲን ስትራተጂን ኣይኮነን፡፡ ዋና ግና ነዚ ዝውንን መሪሕነት ክህሉ ኣለዎ፡፡ እቲ መሪሕነት ድማ ንረብሓ ህዝቢ ዝወገነ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኩሉ ግዘ ኣብ መንግስቲ ወይ ፓርቲ ዘሎ መሪሕነት ግና ናይ ባዕሉ ረብሓ ድሌት ኣለዎ እዩ፡፡ ስለዚ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝፍጠር ኣብ ዓድና እውን ኣሎ እዩ፡፡ እዚ ንኡስ ወናኒ ዝኾን ሙሁር መሪሕነት  ማሕበራዊ መሰረቱ ሕርሻ ኣይኮነ ወይ ኢንዳስትሪ ኣይኮነ፡፡ ኣፍራይነት ዘለዎ እውን ኣይኮነን፡፡ ኢሊት ስለዝኾነ ገዛኢ ናይ ምዃን ሃፍቲ ናይ ምቁፅፃር ድልየት ኣለዎ፡፡ እዚ ድልየት እዚ ኩሉ ግዘ ኣሎ እዩ፡፡ ስለዚ መሪሕነት ክንብል ከለና ነዚ ድልየት ክቖፃፀር ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ፣ ንህዝቢ ዝወገነ፣ ንረብሓ ህዝቢ ዘይኽሕድ፤ ዝኽሕድ ሓይሊ እንተሃልዩ ድማ ብፅንዓት ዝቃለስ፡፡ ኣብተን ፖሊሲታት ውፉይ ዝኾነ መሪሕነት የድሊ፡፡ እቲ ቢሮክራሲ እውን ሓድሽ ኣየኮነን፡፡ ኣብቲ ዝፀንሐ ቢሮክራሲ እዩ ትሰርሕ፡፡ ካብ ትካላት ፀጥታ ወፃኢ ዘሎ መንግስታዊ መሓውር ቢሮክራሲ ከምዘለዎ እዩ ቀፂሉ፡፡ እቲ ኣታሓሳስባን ባህልን ኣሎ፡፡ ዋላ ኣብተን ሓደሽቲ ዝተፈጥራ ክልላትን እውን ዝፈጥረዎ ቢሮክራሲ እውን ተመሳሳሊ ከም ናይ ቀደም ማእከላዊ መንግስቲ እዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ናይ ቢሮክራሲ የድልይ እዩ፡፡ እዚ ብከይዲ ዝህነፅ

ስለዚ እቲ ዝብድህ/ዝፍትን ዘሎ ዝተፈለየ ድልየት ዘለዎ እዩ፡፡ እቲ ቅድም ኢልና ዘቐመጥናዮ ፈተናታትን ሽግራትን ኣለዉ እዮም፡፡ ካብዚ በቁስካ ናብቲ ካልእ ንምስግጋር መሪሕነት የድልዮ እዩ፡፡ መሪሕነት ግና ነቶም ሓደ ሓደ ዝራኣዩ ለውጥታት ምዕባለ የህርፍዎ እዮም፡፡ ስለዚ ናይ ምቕፃፅ ድልየት ምዕባዩ ባህርያዊ እዩ፡፡ ተፈጥራዊ ሃፍቲ ናይ ምጥቃም፣ ሙስና ወይ ኣካብነት ክራይ ባህሪያዊ እዩ፡፡ እዚኦም ሓደጋታት ክገጥሙና እዮም ዝብሉ እውን ተነፂሮም ነይሮም እዮም፡፡ ስለዚ እንታይ እዩ እቲ ፈተነ ዝኸውን እቲ ንህዝቢ ዝወገነ ሓይሊ ብደንቢ ተወዲቡ ነዚ ክስዕር ኣለዎ፡፡ ልዕልና ክህልዎ ኣለዎ፡፡ ብተሓሳስባን ብተግባርትን ልዕልና ክህሉ ኣለዎ፡፡ ልዕልና ስለዘለዎ እዩ ዓወታት እንዳተረጋገፁ ዝመፀ፡፡ እቲ ዋና ዝፍተን ዘሎ ሕቶ እቲ ልዕልና ከመይ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል እዩ፡፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ እኮ ብዙሕ ዘህርፉዎ ኩነታት ኣለዉ፡፡ ኣነ ብዝሰራሕክዎ ካልኦት ይህፍትሙ ኣለዉ ኢሉ ክሓስብ፣ እሞ ኣነ ውን ሼር ክኣቱ ኣለኒ ዝብል ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሓድሽ ዝህነፅ ዘሎ ካፒታሊዝም ተቛዳሳይ ክኸውን እታ ቦትኡ ግን ኣይትፈቕደሉን፣ ክሰርሕ ዘለዎ ፡፡ እታ ስልጣኑ ምእንቲ ውልቃዊ ረብሕኡ ዘረክሳ እንተሃልዩ እዚ ዝኸሓደ እዩ፡፡ ብኻልእ ገፅ ዝፍጠር ሃፍቲ ኣሎ፣ እዚ ሃፍቲ ብማኑፋክቸሪንግ ወይ ኣግሮ-ኢንዳስተሪ ብምፍራይ ዝመፀ ሃፍቲ ኣይኮነን፡፡ ብርግፅ ሰሪሑ ዝሃፍተመ ኣሎ፡፡ ብዙሕ ሃፍቲ ግን ቅድም ዝበልናዮ ምስ መሬት ዝተኣሳሰረ ወይ ድማ ጥዑይ ስርዓት ንግዲ ዘይምህላዉ ብበለፅ ወይ ኣቛራጭ ዝግበር ምህፍታም ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሕቶ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ሃፍቲ ኣሎ፡፡ እዚ ሕቶ ፍትሓዊ ተረባሓይነት ዝፈጥሮ ቁልውላው ኣሎ፡፡ ዓርክኻ ኣብ ሓፂር ግዘ ከይሰርሐ ሃፍቲሙ እንተሪእኻ እንታይ እዩ ናብ ኣእምሮኻ ዝመፀልካ? ስለዚ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ኢዱ ኣብቲ ብዘይሕጋዊ ዝህፍትም  ክእቱ ኣለዎ፡፡ ስለዚ እቲ ምትእስሳር ዝፈጥሮ ዕንቕፋት ኣሎ፡፡ ስለዚ እቲ ሽግር ድምር ናይ ብዙሕ ነገራት እዩ እቲ ሐዚ ዝፍጠር ዘሎ ሽግር ዝብል ኣለኒ፡፡

ውራይና፦ ሕዚ እቲ ናይ ቢሮክራሲ ኣልዒልካ ኣለኻ፤ ክመፆ እየ፡፡ ቅድሚኡ ግና መርአይና ንባዕልና ክርአ ዘለዎ ነገር ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚ እዚ ድማ ኣብ መሬት ወይ ኣብ ካልእ ትሰርሕ እያ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ናይ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ማለት እዩ፡፡ ብቁሳዊ ጥራይ ዘይኮነ እውን ኣእምሮ ሰብ ኣብ ምልዋጥ ክግበር ዝነበሮ ኣሎ፡፡ ፈለማ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ኣብ ዝብል ኣምር ዘለካ ሓሳብ፡፡ ኣብቲ ዘሎ ኣካይዳ እውን ነቲ ፍለጠት ትኹረት ኣብ ምሃብን ኣብ ምህናፅ ዝኽየድ ዘሎን ክኸውን ዘለዎን ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚ ክንብል ከለና እሴት ወሲካ ምውህላል ወይ ምህፍታም ማለት እዩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ እቲ ዝዓበየ ዓቕሚ ካፒታል እዩ ነይሩ፡፡ ካብኡ ጉልበት ኣሎ፡፡ ካልእ ድማ ጥረ ሃፍቲ ከም መሬትን መዓድንን ኣለዉ፡፡ ሕዚ ግን ኣብ ዓለም  እዚኦም ጥራይ ወሰንቲ ኣይኮኑን፡፡ ንኣብነት ቦታ ነዳዲ ብኤሌክትሪክ ይትካእ ኣሎ፡፡ ብነዳዲ ዝሰርሕ መኪና ወይ ባቡር ብኤሌክትሪክ እንዳተተከአ እዩ፡፡ ኤሌክትሪክ ድማ ካብ ማይ፣ ፀሓይ፣ ንፋስ ይፍልፍል ኣሎ እዩ፡፡ ስለዚ ነዳዲ ዝነበሮ ቦታ፣ ዋጋ እንዳተተከአ ክኸይድ እዩ፡፡ እዚ ድማ ጠቅላላ ጂኦ-ፖሎቲካ ዝቕይር እዩ፡፡ ነዳዲ መሰረት ዝገበሩ ሃገራት ካልእ ኣማራፂ እንተዘይኣምፂኦም ጠቅላላ ዝፈጥሮ ቁልውላው ኣሎ፡፡  ኣጋጣሚ ኮይኑ ንሕና ዝሃነፅናዮ ኢኮኖሚ ኣብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዝተመስረተ ኣይኮነን፡፡ ዘረጋገፅናዮ ምዕባለ ኣብ መሬትን ጉልበትን መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ እዚ ሓደ ፅቡቕ ጥንካረ እዩ፡፡ እቲ ኢኮኖሚና ጠንካራ መሰረት ንክህልዎ ዝገብር እዩ፡፡ መሰረት ተነፂፉ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እቲ ዋና ነገር ሕዚ  ኣብ ፍልጠት እዩ፡፡ ካፒታል ዝፈጥር ፍልጠት እዩ፡፡ ፍልጠት ካብ ሓሳብ እዩ ዝጅምር፡፡ ፈጠራዊ ዓቕምታት እዩ፡፡ ፈጠራ ድማ ምስ ናይ ባዕልኻ ሽግራት ካብ ምፍታሕ እዩ ዝጅምር፡፡ ኣብ ዓድና ማእለያ ዘይብሎም ክፍትሑ ዝግብኦም ሽግራት እዮም ዘለዉ፡፡ ሽግራትና ንምፍታሕ ብዙሕ ፈጠራ ክመፅእ ይኽእል እዩ፡፡ ነዞም ፈጠራታት ዘንቀሳቕስ ስርዓት ግን ክህሉ ኣለዎ፡፡ ፈጠራታት ናብ ዕዳጋ ክወፁ፣ ክግዝኡ  ኣለዎም፡፡ ሕዚ ኣብ ሕርሻ መሰረት ዝገበሩ ፈጠራታት፤ ብኣምሆይ ብሉሙን ኣብ ዝብሃል ፕሮጀክት ሰሚዐ ኣለኹ፡፡ ሓሳብ እዩ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ፡፡ ሓሳብ ከዓ ናብ ቢዝነስ፣ ማኑፋክቸሪንግ ክቕየር ይኽእል እዩ ኢሎም ድማ ገንዘብ ዘለዎም ይገዝእዎ፡፡

እዚ ኣብ ሓሳብን ካፒታልን ዘሎ መስተጋብር እዩ፡፡ ኣብ ዓለም ዘለዉ ዓበይቲ ቢሊየነራት ትካላት  እንተሪኢና ተማሃሮ እዮም ነይሮም ካፒታል ኣይነበሮምን፡፡ ጉጉል ይኹን ፌስቡክ ዝመስረቱ ተማሃሮ እዮም ነይሮም፡፡ ዋላ ዓሊባባ ዝብሃል ትካል ኤሌክትሮኒካዊ ዕዳጋ እውን ከምኡ፡፡ ስለዚ ካፒታል ሒዝካ ኣይኮነን፣ ሓሳብ ሒዝካ ዕዳጋ ትፈጥር እዩ፡፡ ስለዚ ፍልጠት ክንብል ከለና ሓሳብን ፈጠራን ማለት እዩ፡፡ እዚ ከዓ ውሽጣዊ እዩ፡፡ ናይ ከባቢኻ ሽግር ናይ ምፍታሕ ክእለት እዩ፡፡ ኣብ ከባቢኻ ተመስሪትካ ተመራሚርካ ሽግር ምፍታሕ እዩ፡፡ ክትውስን ከለኻ ከዓ ኣብ ፍረ ነገርን መረዳእታን ተመስሪትካ ምውሳን፡፡ እዚ እውን ልፍዓት ኣሎዎ እዩ፡፡ እዚ ግን ተማሂርካ ከምዙይ ዓይነት ቫልዩ ዘይትውስኸሉ ዓዲ ወይ ዕዳጋ ኣብ ትኾነሉ እዋን ክልተ ዝነፃፀሩ ነገራት ኣለዉ፡፡ ብቀሊሉ መሬት እንዳሸጠ እንዳለወጠ እንዳሃፍተመ እንዳራእየ፣ ወይ ብዘይሕጋዊ ሰባት ብምዝውዋር ሃፍቲ ዝእክብ ሰብ እንዳራእየ ናብታ ፃዕሪ ትደሊ ከይዲ ፈጠራ ሃብቲ ክኣቱ ከፀግሞ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ፈተነ እሱ እዩ፡፡

ውራይና፦ ቀፂሉ ዘሎ እቲ ሓደ ሽግር ቢሮክራሲ እዩ፡፡ እዚ ዘሎ ቢሮክራሲ እቲ ዝነበረ ናይ ቀደም ስርዓት ዝነበረ መሓውር ዝጥቀም እዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ቢሮክራሲ ናይ ድሕሪት ኣራኣእያ ሸኽሚ ኣለዎ እዩ፡፡ ካልኣይ ኣብ ዓቕሚ እውን ፀገም ኣሎ እዩ፡፡ ምስ መሪትን መሪቶክራሲን ተታሓሒዙ ዝለዓል ጉዳይ ኣሎ፡፡ ክቕየር ዝግበኦ ነገር ኣሎ፡፡ እቲ ሕቶይ መሪት ዝብሃል እንታይ እዩ? እቲ ካልእ ምስ መሪት ተኣሳሲሮ ናትና ጉዳይ ከመይ እዩ? እቲ ዘሎ መሪት ዝብሃል የብሉን፣ ነናይ ባዕልኻ ናይ ምስሓብ ኩነታት ኣሎ፡፡ ግልፂ ዝኾነ መሪት የለን ክብሃል ይክኣል እዩ፡፡ ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ከመይ ኢኻ ትሪኦ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ትኽክል እዩ፡፡ ሕዚ መሪት ሱቕ ኢሉ ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ክማልኡ ዘለዎም ኩነታት ኣለዉ፡፡ እቲ ሓደ ኩነት ንመሪትሮክራሲ ዝሰርሕ ቆራፅ መንግስቲ ክህሉ ኣለዎ፤ እቲ ካልእ ማሕበረሰባዊ ቅርፂ ንዑዑ ዝምቹ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ማሕበረሰባዊ ቅርፂ ክብሃል ከሎ ንኣብነት ብቋንቋ፣ ብባህሊ፣ ብታሪክን ብቱውፊት ሓደ ማሕበረሰብ ኣሎ፡፡ ቻይና እንተወሲድና እቲ ገዛኢ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ሓደ ዘርኢ ሃን ዝብሃል እዩ፡፡ ኮርያ እንተኸድካ እውን ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ባህሊን ሓደ ታሪኽን እዩ ዘለዎም፡፡ ሕዚ ኣብዚኦም መሪቶክራሲ ንምህናፅ ምችው እዩ፡፡ ኣብ ብጣዕሚ ብዝሃ ቋንቋን ባህሊን መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ ግና ምስሕሓብ ክህሉ ይኽእል እዩ፡፡ ዋላ ቢዝነስ ክትምስርት ከለኻ እውን ቤተሰብካ እዩ ዝቑፀር፡፡ ማሕበራዊ ኩነት ሓደ ምኽንያት እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሃ ቋንቋ ብዝሃ ባህሊ ኣሎ፡፡ ክንቕበሎ ዝግበአናን ክተኣናገድ ዘለዎን፡፡ ብዝሃነት ዕድል እዩ፡፡ ግን ድማ ብታሪኽ ኣመፃፅኣና ዝተፈጥረ ዝተዛብዐ ርክብ ስለዘሎ ናተይ ብሄር ተበዲሉ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ክመፅእ ይኽእል እዩ፡፡

እቲ ሳልሳይ ኩነት ግን ዕዳጋ እዩ፡፡ ዕዳጋ ክንብል ከለና እቲ ዕዳጋ ኣብ ብሄር መሰረት ዝገብር ኣይኮንን፣ ሓፁራት ብሄር እዩ ዘፍርስ፡፡ ምኽንያቱ ዕዳጋ ኣሎ ክንብል ከለና ኣብ መንጎ እቶም ዝተኸፋፈሉ ማሕበረሰባት ውህደት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ሰባት ከም ድላዮም ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንዳተንቀሳቀሱ ብዘፍርይዎ ወይ ብዘበርክትዎ እሴት ዝለዋወጥሉ ማለት እዩ፡፡ ሓፁራት ቋንቋ፣ ባህልን ጂኦግራፊ ፈሪሱ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ዕዳጋ ውድድር እያ ትብል፡፡ መን እንታይ ዓይነት እሴት ኣቕረበ እዩ፡፡ ስለዚ ናይ ፍልጠት ዕዳጋ እውን ይህሉ፡፡ ናብ ቢሮክራሲ ዝኣቱ ካብ ዕዳጋ እዩ ዝርከብ፡፡ ስለዚ እቲ ቢሮክራሲ ኣብ ፍልጠት ተመስሪቱኣወዳዲሩ  መን ነዚ ስራሕ እዚ ይምቹ፣ ይምጥን? ብዘርኡ ዘይኮነስ በቲ ዕዳጋ መሰረት ገይሩ ብቕዓቱ ሪኢኻ፡፡ ኣብ ሃገርና ድማ ዕዳጋ ገና ኣይተፈጥረን ዘሎ፡፡ ቅድም ዝበልካዮ ዘይስሩዕ እዩ፡፡ ዘይስሩዕ ድማ መዐቀኒታቱ ኢኮኖሚ ኣይኮነን፡፡ መዐቀኒታቱ ዘርኢ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ እቲ ቢሮክራሲ እውን ማዕረ ማዕረ እዩ ዝኸይድ፡፡

ዕዳጋ እንተዘይተፈጢሩ ግድን መሪቶክራሲ ኣይፍጠርን ማለተይ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ነዚ ኣለልዩ ብውፍይነት መዐቀኒታቱ፣ መመልመሊታቱ፣ ከምኡ እውን ዘፈፅመሉ ስርዓት ብደንቢ ኣጠናኺሩ ዝሰርሐሉ ስርዓት ክዝርግሕ ኣለዎ፡፡ እዚ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ምንቕስቃስ ግን ነቲ ዝነበረ ስርዓት ዘጠናኽር እንበር መሰረታዊ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል ዝብል ሓሳብ የብለይን፡፡ መሰረታዊ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል መንግስቲ ክቀርፆ ኣለዎ፡፡ መጀመሪያ መሰረታዊ ለውጢ ከምፅእ እንተኾይኑ ነቲ ኩነታት ክትንትኖ ኣለዎ፡፡ እንታይ ምችው ኩነታት፣ እንታይ ማሕለኻታት ኣለዉ? ንዚኣቶም ከመይ ገይረ እየ ዝትንትኖም፡፡ መንግስቲ ክንብል ከለና ግን ፌዴራል መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ክልል መንግስቲ ቋንቋ መሰረት ዘይክገብር ይኽእል እዩ፡፡ ሓደ ቋንቋ ተዛረብቲ ስለዝኾኑ፡፡ ብርግፅ ኣብ ክልላት እውን ዝተፈላለዩ ብሄረ ኣለዉ እዮም፡፡ ዝሓሸ ዕድል ግን ኣለዎ፡፡ ብፍላይ ምስ ኣብ ፌዴራል ዘሎ ምጥዕዓም ምስ ቋንቋ፣ ባህሊን ብሄርን ኣንፃር ክረአ ከሎ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳና መጠናዊ ለውጢ ምክያድ እንተዘይኮይኑ ከም ቢፕኣር፣ ቢኤሲ ዝበሉ መሳርሒታት መሰረታዊ መትከላት ሜሪትሮክራሲ ሒዞም ዝተበገሱ ኣይመስለንን፡፡

ውራይና፦ መብዛሕትኦም ነገራት ክንርኢ ዘለና ዘለዕልናዮ ወሳኒ ሓይሊ መሪሕነት እዩ። መሪሕነት ንዓኻ እንታይ እዩ? ፖሊቲካዊ መራሒ ይኹን ትካላዊ መሪሕነት ብፍላይ ኣብ ናይ ስግግር ኩነታት እንታይ እዩ? ካብ ተሞክሮን ንባብን ተበጊስካ። ረቛሒተታት መሪሕነት ዘማልእ መራሒ ከመይ እዩ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ኣብዚ ስርዓት ስልጣን ዝተኸፋፈለ እዩ፡፡ ስልጣን ካብ ህዝቢ እዩ ዝመፅእ፡፡ ካብ ሓደ ማእከል ዝፍልፍል ስልጣንን ምምሕዳርን የለን ኢልና ንበገስ፡፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ከምኡ እዩ ዝብል፡፡ ከም ፌዴራል መንግስቲ እንተመፂና፤ ንፌዴራል መንግስቲ ስልጣን ክልላት እዮም እዚአን እዚአን ስርሓልና ኢሎም። ከም ምክልኻል ሃገር፣ ኣብ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኣብ ጉምሩክ፣ ገንዘብ፣ ወፃኢ ጉዳይ ርክባት ወዘተ ዝሃብዎ ክልላት እዮም፡፡ ምንጪ ስልጣን ‘ውን ኣብ ክልላት ዘለዉ ህዝብታት እዮም፡፡  ስለዚ መሪሕነት ክንብል ከለና ዝተኸፋፈለ እዩ፡፡ ካብ ሓደ ማእከል ዝምንጩ ኣይኮንን፡፡ እቲ ዝፀንሐ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ግና ንጉስ ኣይኽሰስ፣ ሰማይ ኣይሕረስ ዝብል እዩ፡፡ ንኣብነት ቦታ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኩሉ ፀገማት ምንጪ፣ ናይ ኩሉ መፍትሒ ምንጪ ገይርካ ምሕሳብ ምስቲ ሕዚ ክንሃንፆ ዝደለና ስርዓት ኣይጠዓዓምን፡፡ እቲ መሪሕነት ሓበራዊ እዩ፡፡ ኣብቲ ሓበራዊ/እኩብ ዘለዉ ሰባት ሓደ ዓይነት ዓላማ ክህልዎም ኣለዎ፡፡ ሓባራዊ ዕላማ ክህልዎም ኣለዎ፡፡ መጀመሪያ መሪሕነት ማለት ሓባራዊ ዕላማ ምህላው እዩ፡፡ ዝተኸፋፈለ ዕላማ እንተሃልይዎም ግን መሪሕነት የለን፡፡ እቲ መሪሕነት ህዝባዊ ውግንናን ድልየት ህዝቢ ምምላስን እዩ፡፡ ስለዚ ምውጋን ኣላ ዶ? መሪሕነት ማለት ፍሉይ ፍልጠት ምህላው ማለት ኣይኮነን፡፡ ሓደ ወገናዊነትን ናይ ሓባር ዕላማን ኣሎ ዶ እዩ? ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ እዚ ነይሩ እዩ፡፡ ብኻሊእ ድማ ነናይ ባዕልኻ ኣስተዋፅኦ ኣሎ ዶ ወይስ ብሓደ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዝምራሕ እዩ፡፡ ንሽሙ ኮሚቴ፣ ቤት ምኽሪ ክብሃል ይኽእል እዩ፡፡ ግና ሕድ ሕድ ሰብ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ዘይገብር እንተኾይኑ ዋጋ የብሉን፡፡ ብውልቀ ሰብ ዝምራሕ እዩ ዝኸውን፡፡ መጀመሪያ ደረጃ ሓባራዊ ድልየትን ህዝባዊ ውግንናን፡፡ ቀፂሉ ድማ ኣብ ውሳነ ናይ ባዕልኻ ተራ እትፃወተሉ ብቕዓት ክህሉ ኣለዎ፡፡ እቲ ብቕዓት በቲ እትፃወቶ መሪሕነት ይፈላለ እዩ፡፡ መብዛሕቲኡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ፖሊቲካዊ ብቕዓት ተባሂሉ እዩ ዝቕመጥ፡፡ ፖለቲካዊ ብቕዓት ንኹነታት ምርዳእ፣ ፖሊሲታት አጥቢቕካ ምሓዝ ጉዳይ ይመፅእ ማለት እዩ፡፡ ሕዚ ፈተነ ኮይኑ ዘሎ ወገናውነት ዝብል እዩ፡፡ መሪሕነት ተቖፂሩ ንናይ ባዕሉ ድልየት ዘቀድም፡፡ ውልቃዊ ድልየት ክፅዕን ዝደሊ ኣሎ፡፡ እዚ ብበዝሒ እንተኣትዩ ሓባራዊ ዕላማ እንዳተሸርሸረ መሪሕነት ከረጋግፅ ኣይኽእልን፡፡ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝሰርሕ ነንሕድሕዱ ዝናቆት እዩ ዝኸውን፡፡ እዚ መሪሕነት ከረጋግፅ ኣይኽእልን፡፡ እዚ ቅድም ኢልና ከምዝራእናዮ፣ ኣብ ሃገርና ስግኣታት ዝምባለ ህዝበኝነት/ፖፕሊዝም ኣሎ፡፡ ሕዚ ናይ ባዕልኻ ድልየት ክተረጋግፅ ዘሎ ድሕረታት ክጥቀም ኣለካ፡፡ እቲ ሓደ ድሕረት ሽፋን ብሄርን ቋንቋን እዩ፡፡ ኣነ ወዲ ላሕምኻ እየ ናትካ እየ ኢልካ ክትላዓል ኣለካ፡፡ ብኻልኣይ ደረጃ ዘሎ ውሽጣዊ ሽግራት ፍትሒ፣ ኢኮኖሚን ካልእን ዝመፅእ ዘሎ ካብ ደገ እዩ ክትብል ኣለካ፡፡ ካልእ ኣካል ፈጣሪ ሽግርካ ገየርካ ክተርኢ ኣላከ፡፡ እዚ ሑንጉጋይ እዩ ዝፈጥሮ ዘሎ እናበልካ፡፡ ዝኾነ ነገር ክመፅእ ከሎ ሕንጉጋይ መፀ ዝብል ይህሉ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ እንዳፈራራሕካ ሓይልኻ ምእካብ፣ ውንብድና ምስራሕ ይህሉ፡፡ ክሕደት እውን ይህሉ፡፡ ስለዚ መሪሕነት ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሓደጋ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ መዐንቀፍቲ ፀገማት ብደንቢ ተንቲኑ ዝርዳእ፣ ከምኡ እውን ብፅንዓት ዝቃለስ እዩ መሪሕነት ማለት፡፡ ብፅንዓት ዝቃለስን መስዋእትነት ዝኸፍል እዩ፡፡ ስለዚ ፅሬት ኣታሓሳስባን ጥንካረን እዩ ወሳኒ ዝኸውን፡፡

ውራይና፦ መንግስቲ ኣብ ፖሊቲካን ኢኮኖሚን ዓብይ ተራ ኣብ ዘለዎ ኩነታት እቶም ቕድም ዝተገለፁ ረቋሒታት መሪሕነት ከምዘለዉ ኮይኑ ውእፅ ዝበለ መራሒ ማለት ተፈራሕቲ፣ ካሪዝማቲክ ዝኾነ፣ ልዕልነት ሓሳብ ዘለዎ መራሒ ከምዚ መለስ ዓይነት ክህልዉ ኣሎዎ ትብል? ከምዚኦም ኣመራርሓ ግድን ክህልዉ ኣለዎም ትብል ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ኣብ ታሪኽ ህወሓት ክትርኢ ከለኻ፣ ሓበራዊ/እኩብ መሪሕነት ነይሩ፡፡ ብደገ ኮይንካ ዝተዛብዐ ኣታሓሳስባ ስለዘለና ውልቀ ሰብ ኢና ንደሊ፡፡ ባህልናን ኣታሓሳስባናን መን አዩ ውልቀ መራሒ ዝብል ብላንባዲና ኢና ንደሊ፡፡ ንሱ እንዳራእና እውን ኢና ንዓቢ፡፡ ንህወሓት ናብ ዓወት ዘብፀሖ ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ነይሩ real cause ነይሩ፣ ነዚ ድማ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው፣ የማን ፀጋም ዘይርኢ ነይሩ፡፡ ንህዝቢ ዝወገነ ነይሩ፡፡ ካልኣይ ብሓባር ኢዩ ዝረኢ፡፡ ክትዓትን ዘተን ይካየድ ነይሩ፡፡ ሳልሳይ ፅንዓትን ምርምርን ይካየድ ነይሩ፡፡ ንኣብነት ይዝክር ኣብ ከባቢ 72 ዓ.ም ጀሚሩ እኒ መለስ፣ ኣረጋሽ፣ ኣለምሰገድን ካልኦትን ዝርከብዎም 04 ተባሂሉ ተጣይሹ ፅንዓትን ምርምርን ይካየድ ነይሩ፡፡ ካብ ዝተፋላለየ ዓለም መፅሓፍቲ መፅዩ ፅንዓትን ምርምርን ክሳብ 75 ዓ.ም ተኻይዱ፡፡ ንድሕሪት እውን መሰረት እዩ ኮይኑ፡፡ ራብዓይ ነባራዊ ሁሉው ኩነታት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊን ዓዱ ዝፈልጥ፣ ዓለማዊ ኩነታት ጥራይ ምፍላጥ ኣይኮነን ምጥዕዓም (contextualize) እዩ ነይሩ፡፡ ለይትን ቀትርን እዩ ዝሰርሕ ነይሩ፡፡ ዕረፍቲ ኣይነበሮን፣ ትኹረት ነይሩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጡ ንዝፍጠሩ ድሕረታት ምሕረት ብዘይብሉ መንገዲ ይቃለስ ነይሩ፡፡ ኣብ ውግንንኡ ንዝመፁ ሕርኽራኻት ብዘይ ምሕረት ይቃለስ ነይሩ፡፡ ኣሳታፋይ፣ ኣእሚኑ ዘስርሕ፣ ዘቃልስ ሓይሊ ነይሩ፡፡ እዚ ስለዝኾነ ህወሓት ናብ ዓወት መፂኡ እዩ፡፡ እዚ ናይ መለስ ውሱን ተራ ኣይኮነን ወይ ናይ ካልእ ውልቀ ሰብ ተራ ኣይኮንን፡፡ ናይ እኩብ ተራ እዩ፡፡ ኣብዚ ውሽጢ ግና የዕርዮም ብሉፅ ዝሰርሑ ነቲ እኩብ መሪሕነት ዘነቃቕሑ አለዉ እዮም፡፡ ከም እኒ መለስ ዝበሉ ቅመማት ኣሎዉ እዮም፡፡ ኩሉ ነገር ንመለስ ምሃብ ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ንመለስ ዝፈጠረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ መለስ ኣይኮነን ነዚ ፈጢርዎ፡፡ ከም መለስ ዝበሉ ቅመማት ድማ የድልዮ፣ ዝሓሸ  ዝትንትን፤ ኣብቲ እኩብ መሪሕነት ብሉፅ ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ኣለዉ፡፡ እዚ ብከይዲ እዩ ዝፍጠር፡፡ ቃልሲ እዩ ዝፈጥሮ፡፡ ንመለስ ቃልሲ እዩ ፈጢርዎ፡፡ ስለዚ ዝኾነ ንመለስ ዝመስል ንምድላይ ዝግበር ፈተነ ከንቱ እዩ፤ መለስ ዝተፈጥረሉ ኩነታት፣ ግዘን ከይድን የለን፡፡ ክንተኣማመን ዘለና ኣባና ኣብ ሕድሕድና እዩ፡፡

ሕዚ ህወሓት ኣብ ውሽጡ ዴሞክራሲያዊ ኣይነበረን ከምዚ ዝብሉ ኣለዉ፡፡ ብርግፅ ድሕረታት ነይሮም፣ ንኣብነት ኣብ ከባቢ 73 ዓ.ም ኢሊቲዝም ዝብሃል ድሕረት ነይሩ፡፡ ኢሊቲዝም ማለት ንባዕልኻ ካብቲ ናይ ሓፋሽ ህይወት ነፂልካ ብሉፅ ገይርካ ምርኣይ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድሕረት እዩ ነይሩ፡፡ ነዚ ግን ብዘይ ምሕረት ተቃሊስዎ፡፡ ካብኡ ኣነነትን ውልቃውነትን እውን ነይሮም፡፡ በብመድረኹ ኣብ ውሽጡ ዝረአዩ ድሕረታት፡ ተመሃራይን ገስጋስን ስለዝነበረ እንዳተቃለሰ ዝመፀ ውድብ ምዃኑ እዩ እንበር ፀረ-ዴሞክራሲ ዘይረአየሉ ውድብ እንተኾይኑ እማ ውድብ ኣይኮነን፡፡ ውድብ ማለት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምንቕስቃስ መግለፂ እዩ፡፡ ሕብረተሰባዊ ምንቅስቃስ ድማ ኩሎም ኣታሓሳስባታት፣ድሕረታትን፣ ባህልታትን ድሕረታትን ዘንፀባረቅ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ዋና ቁም ነገር ብኸይዲ  ከመይ ተቃሊስዎም እዩ፡፡ እንተዘይኮይኑ ከም ኢየሱስ ንፁሕ እንተኾይኑ ሕብረተሰባዊ ውዳበ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ክንፅበዮ ዝግበአና ትፅቢት  እውን ብመነፀር እኩብ መሪሕነት ክንርእዮ ኣለና፡፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ምስ ካልእ ውልቀ ሰብ ኣይኮነን ከነወዳድር ዝግበአና፡፡ ዝኾነ ሰብ ብላንባዲና ምድላይ ኣይኮነን፡፡ ሓበራዊ መሪሕነት ኣሎ ዶ?  እኩብ መሪሕነት እንተዘይሃልዩ፣ ገባሪ ሓዳጊ ውልቀ መላኺ ሰብ እንተመፂኡ ሓደጋ እዩ፡፡ ውልቃውነት እንተሰፊኑ ፀረ-ዴሞክራሲ እዩ፡፡ ነዚ ዝቃስ ሓይሊ እንተሃልዩ ድማ ፅቡቕ የቐፅል እዩ፡፡ ስለዚ እቲ መሪሕነት በዚ ኣንፃር ኢና ክንሪኦ ዘለና፡፡

ውራይና፦ ከም መጠን ተጋዳላይ፣ ኣብቲ ዝተጋደልካዮ ሓቀኛ ዕላማ ህዝቢ ኣሎ፡፡ እስኻ እውን ብዛዕባ እቲ መነባብሮ ህዝቢ ትግንዘቦ ነይሩ፡፡ ዝተመሃርካዮ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ከይዲ ቃልሲ እውን ዝተመሃርካዮ ኣሎ፡፡ በቲ ሽዑ ርድኢትካ ሕዚ ኮይንካ እውን ክትርእዮ ከለኻ እቲ ዝነበረ ዕላማ ቅኑዕ ነይሩ? ካብኡ ከኣ ንትግራይን ንኢትዮጵያን ይቃለሰላ ኣለኹ ኢልካ ተቃሊስካ፡፡ ልደቱ ሰለስተ መፅሓፍ ፅሒፉ ነይሩ፡፡ እታ ናይ መጀመሪያ መፅሓፍ ተጋደልቲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ክበታትኑ እዮም ተቃሊሶም ይብል፤ ደሓር ድማ ኣይኮነን ብውሕዱ እቶም ተጋደልቲ ብፍላይ አቶም ንኣሽቱ ንፍትሒ፣ ንልምዓትን ንሰላምም  ከምዝተቃለሱ ክፈልጥ ክኢለ ይብል፡፡ ንፅቡቕ ዕላማ እዛ ሃገር እዮም ተቃሊሶም ይብል፡፡ እሞ እቲ ቃልሲ ዝዓበኻሉ ስለዝኾነ እቲ ዕላማ እዚ እዩ ነይሩ ኢልካ፣ ሕዚ ድማ እንታይ ይኸውን ኣሎ ይመስለካ? ዝተቐለስካሉ ዕላማ ይዕወት ኣሎ? እንታይ ክኾን ኣለዎ ትብል?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ብሓፂሩ ናብ ቃልሲ ክፅንበር ከለኹ ሻድሻይ ክፍሊ ነይረ፡፡ ሽዑ ኣብቲ ከባቢና እንታይ ኩነታት ነይሩ እዩ፡፡ ብዝኾነ  መፅሄታት ‘ውን የንብብ ነይረ፡፡ ናይ ህወሓት፣ ናይ ኢህኣፓ መፅሄት ነይሩ፡፡ ኣብቲ ከባቢና ናይ ክልቲኦም ምንቅስቃስ ነይሩ እዩ፡፡ ሕዚ ክትዓት ይካየድ ነይሩ እዩ፡፡ ተማሃሮ ስለዝነበርና መፂኦም ገለ ክስታይ ይብሉና፡፡ ብድሕሪኡ ናብ ህወሓት ተሳሒበ፡፡ ሓደ እቲ ዋና ዝነበረ መዐቀኒና ስነ ምግባር እዩ ነይሩ፡፡ ንኣብነት እቶም ህወሓት ምግቢ ክደልዩ ከለዉ፣ ዋላ ጠሚዮም እንዳሃለዉ ኣየገድዱን ነይሮም፡፡ በኣንፃሩ እቶም ኢህኣፓ ግን ሓንቲ ምልእቲ ሓይሊ እውን እንተሃልያ ብምልእታ ናብ ክርስትና ወይ ተስካር ኣትያ ኣገዲዳ ትምገብ ነይራ፡፡ ካልኣይ እቶም ኢህኣፓ ዝማረኽዎ ሽኮር፣ ኣንሶላ እንደሃቡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ኣባላት ይምልምሉ ነይሮም፡፡ ብወገን ህወሓት ድማ ብምእማን እያ ኣባላት ትምልምል ዝነበረት፡፡ ካብኡ እቶም ኢህኣፓ ዝቃወሞም እንተሃልዩ ይቐፅዑ ነይሮም፡፡ ኣብ ጭንጫ ወሲዶም ኣካሎም ልሕፅሕፅ ክሳብ ዝብል፡፡ ብርግፅ ሓደ ሓደ ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ህወሓት እውን ከምኡ ዝገብሩ ነይሮም እዮም፡፡ መብዛሕቲኦም ግን ኣፋላላይ ንዘለዎ ገለ ኣይብሉን፡፡ ንውልቀ ሰብን ንቤተሰብን ክብሪ ነይርዎም፡፡

ካልእ ኣብቲ ከባቢ ደርጊ በተደጋጋሚ እንዳመፀ የቀፅል፣ ይወርር ነይሩ፡፡ ኣብቲ ግዘ ህወሓት ደርጊ ክመፅእ ከሎ ምስቶም ዕጡቃት ወየንቲ ብሓባር ኮይኖም ንደረጊ ይከላኸልዎ ነይሮም፤ ኢህኣፓ ግና ይሃድሙ ነይሮም፡፡ ኣብ ሓደጋ ግዘ ኢህኣፓ ኣይከላኸልን ነይሩ፡፡ ኣብዚ ስልታዊ ዝኾነ ዝስሕበካ ኣሎ፡፡ ትንተና ኣየድልየካን፡፡ ካብኡ ድማ መሬት ኣሎ፣ ኣቦይ ኣብ ሓደ ቦታ እንዳሓረሰ ከሎ ኣዝማድና እዮም ግና ናይቲ ከባቢ ሹም ጭቃ ዓዲ ዝኾኑ መፂኦም ካብ መሬቱ ብሓይሊ ከፋናቕልዎ ተዓዚበ እየ፡፡ ኣብቲ ግዘ ምንም ክገብር ኣይከኣልኩን፣ መሳሪያ ዝተዓጠቁ ነይሮም፡፡ ሰለዚ ብሓይሊ መሬት ክሕድግዎ ተዓዚበ እየ፡፡ ብዛዕባ ፊውዳሊዝም ትንተና ኣየድልየንን፡፡ እዚ ጉዳይ ፍትሒ እዩ፡፡

ደርጊ እውን ይቀትል ነይሩ፡፡ የሕዋትና፣ ኣዕርኽትና ሞይቶም እዮም፡፡ እዚ ሕዚ ዘቐምጠካ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ወፂና ተማሂርና፡፡ ቅድሚኣ ግና መሬት መቐሎ ይካየድ ነይሩ፡፡ ኣብቲ መቐሎ ፊደል ስለዝቖፀርኩ መዝጋቢ ነይረ፡፡ ኮሚቴ ተጣይሹ፣ መሬት ዝኸፍሉ ኣለዉ፡፡ ሕዚ ኣብኡ ጉቦ ከይትብላዕ ጥንቃቀ ንገብር ነይርና፡፡ ንኣብነት ስዋ ፀሚቑ፣ ሓሪዱ ኣድልዎ ምድላይ ፈተነ ነይሩ እዩ፡፡ ህወሓት እውን ነዚ ብትሪ ይቃወሞ ነይሩ፡፡ ሕዚ ብጣዕሚ ውሽጥኻ ዝኣትወካ እዩ ነይሩ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ዕላማ ማለት እሱ እዩ፡፡ ክፉእ ነይሩ፡፡ ትምህርትና እውን ብዝግባእ ክንቕፅል ኣይከኣልናን፡፡ መማሃራ እውን ተበቲኖም እዮም ነይሮም፡፡ ትምህርቲ ተዓፅዩ ነይሩ፡፡ ዘደቕሰካ ነገር ኣይነበረን፡፡ እቲ ዕላማ እሱ ነይሩ፡፡ ካልእ ዕላማ ኣይነበረን፣ ኣቲና ተቓሊስና፡፡

እዚአን ከኣ ጉዳይ ፍትሒ እዩ ነይሩ፡፡ ብቋንቋና እውን ኣይተማሃርናን፡፡ ብኣምሓርኛ ኢና ተማሂርና፣ ንኽርደአና ነዊሕ ጊዜ እዩ ወሲዱልና፡፡ መምሃራን ብትግርኛ ኣይዛረቡን፣ ብኣምሓርኛ ክትዛረብ ኣለካ፤ ካብ ማእከል ሃገር እዮም ዝመፁ ነይሮም፡፡ ንኽንርዳእ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ፡፡ እዚኦም ተኣኻኺቦም እቲ ዕላማ ህወሓት ክትርእዮ ከለኻ ዴሞክራሲን ፍትሒን እዩ፡፡ ነዚ ኢና ተቓሊስና፡፡ ስለዚ እቲ ተቓላሳይ ኩሉ እውን ብኸምዚ እዩ ተፀንቢሩ፡፡ ገለ ገለ ሰባት ከበሮ ሰሚዑ ናብ ቃልሲ ዝተፀንበረ ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም፡፡ ኣብ ደገ ኮይየኖም ማለት እዩ፡፡ መቸም ብከበሮን ጣቕዒትን ዝኣተወ ሰብ ናብ ፈንጂ ኣይኣትውን፡፡ ንባዕሉ መስዋእቲ ኣይገብርን፡፡ እዚኦም ሃልሃልታ ኩናት ዘይርድኡ ሰባት እዮም ከምኡ ዝብሉ፡፡ መስዋእትነት ህይወት ብቀሊሉ ዝትንትኑ እዮም፡፡ መቸም ብከበሮን ጣቕዒትን ህይወት ኣይዋሃብን፡፡

ውራይና፦ እሞ ናይቲ ከበሮን ጣቕዒትን ተራ እንታይ እዩ ነይሩ? ብዙሕ ተጋዳላይ እኮ ከም ዓብዪ ግደ እዩ ዝገልፆ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ እቲ ከበሮን ጣቕዒትን እንተሃልዩ እቲ ብሄራዊ ደርፍታት እዩ፡፡ ቅድሚኡ ትግርኛ ኣይነበረን፡፡ ኣምሓርሻ ነይሩ፣ ተነስ ተራመድ ዝብል ደርፊ፡፡ ሕዚ ትግርኛ መጺኡ፡፡ ህወሓት ዜማ፣ ግጥሚን ደርፊን ባህልን ትግርኛ ኣምፂኡ፡፡ እዚ ዝፈጥሮ ኩርዓት ነይሩ፡፡ እዚ ተራ ስምዒት ኣይኮነን፡፡ ኢህኣፓ እውን ይደርፉ ነይሮም እዮም፡፡ ግና ጉዳይ መንነት እዩ፡፡ መንነት መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ ህወሓት ስርዓት ዝሃነፀ ኣብ መወዳእታ ግዘ ቃልሲ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሙሉእ ከይዲ እቲ ቃልሲ እዩ ተሃኒፁ፡፡ ዕቀባ ሓመድ፣ ባይቶ፣ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር፣ መቐሎ መሬት፣ ስርዓት ፍትሒ፣ ቤት ፍርዲ ኣብ ፅላል ዳዕሮ ቀደም እዩ ተጀሚሩ፡፡ ብተወሳኺ ባህሊን ቅርስን ትግራይ፣ ስርዓት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሕርሻን እንዳሃነፀ እዩ መፂኡ፡፡ ሕዚ ብንሪኦ ዘለና መጠን ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ደሓር ግን እቲ ውፅኢት ክትርኦ ከለኻ ስርዓት ቀይሩ እዩ፡፡ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ፡፡ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ኣምፂኡ እዩ፡፡ እዚ ንድሕሪት ናብ ድሕሪት ምምላስን ንቕድሚት ናይ ምስጓምን ቃልሲ እዩ ዘሎ፡፡ ብርግፅ ናብ ካልእ ኣንፈት ናይ ምቕያር ፃዕሩን ፈተንን ኣሎ፡፡ ሕዚ ፈቲና ፀሊእና  ስርዓት ተቐይሩ ኣሎ፡፡ እዚ ዓብዩ ኩርዓት እዩ፡፡ ናይቲ መስወእቲ ውፅኢት እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ  እቶም ቕድሚ ሕዚ ኣብቲ ዝነበርክሉ ዓዲ ዝነበሩ ሽግራት የለዉን፡፡ ሕዚ ናይ ምዕባይ እዩ፡፡ ብርግፅ ፍትሒ እውን ከልዕል ከሎ ብደቁ ዝፍጠሩ እዮም፡፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ማእከል ብተላኣኽቲ ዝፍጠሩ ናይ ፍትሒ ጉዳያት ነይሮም፡፡ እዚ ሓድሽ ፈተና እዩ፡፡ እቲ ቀደም ዝነበረ ፈተና/ፀገም ኣይኮነን ዘሎ፡፡ ኩሉ ግዘ ከኣ ሓድሽ ፈተነ ኣሎ፡፡ እቲ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ዘምፅኦ ኣሎ፡፡ መሰረተ ልምዓት ተዘርጊሖም ኣለዉ፡፡ ብኻልእ ገፅ ግና ኢኮኖሚያዊ ስግግር ዘይምክያዱ ድማ እቲ ዝተተኽለ ሓድሽ ስርዓት ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሓደግኡ ዘተሓሳስብ እዩ፡፡ ብኡ ምኽንያት እውን በብግዜኡ ዝፍትኑ ነገራት ኣለዉ፡፡ ስለዚ እዞም ሕዚ ወያነ ገለ ዝብሉ መፈከራት ዝብሉ በብግዜኡ ዝደግሱ ሕማማት፣ ህዝቢ ትግራይ ወይ ወያነ ማእከል ገይርካ ምፅልእላእ ምፍጣር፡፡ ዕስለ (mob) ምፍጣር፡፡ እዚ ዝልዓል ሽግራት ክመፁ ከለዉ እዮም፡፡ እዚኦም ብመሰረቱ ናይ ውድቀትና መግለፂ ኣይኮነን ባህራዊ እዮም፡፡ ቀደም ኣብ በረኻ እንዳሃለና እውን ዝለመድናዮ እዩ፡፡ ደርጊ እውን ይብሎ ነይሩ እዩ፡፡ ወያነ ከሓዲ ይብል ነይሩ፡፡ እዚ መፈክር ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ መሰረታዊ ለውጢ እዩ ዝመፅእ ዘሎ፡፡ እቲ ናቶም ስርዓት እዩ ተቀይሩ ዘሎ፡፡ ንሳቶም ሓቆም እዮም ምኽንያቱ ጥቅምታቶም እዩ ዝውቓዕ ዘሎ፡፡ ስለዚ ብቀፃሊ ቓልሲ ዝውገድ እንበር ናይ ውፅኢትና ከንቱነት ኣይኮነን፡፡

ውራይና፦ እሺ ቅድም ክብል ዝገለፅካዮ ኣሎ፡፡ እቲ ዕላማ ትኽክል እዩ፡፡ ኣብቲ ሓቀኛ ዕላማ ኮይኑ ኩነታት ናይ ምርዳእ፣ ሓባራዊ መሪሕነት፣ ተማሃራይ ምዃን፣ ውፍይነት ዝብሉ መሰረታዊ ዝተሃነፁ ክብርታት ውድብ ኣለዉ፡፡ ሕዚ እዚ ተገይሩ ለውጢ ስርዓት መፂኡ፡፡ ኢትዮጵያ እውን ከም ሃገር ክትዘልቕ ዘኽእላ ስርዓት ሕገ መንግስቲ ተተኺሉላ፣ ምዕባለ እውን ኣምፂኡላ፡፡ ግን እቲ ምዕባለ ዘይተሰጋገረ ድሩት እዩ ዘሎ፡፡ ኣብዚ ዓወታት ኮይኑ እዚ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተነ ወይ ገትገት መኪቱ ከድሕን ዝኽእል እቲ ከምቶም ዝተገለፁ ክብርታት ዝውንን ተጋዳላይ፤ ብፍላይ ድማ ምስ ምህላው ጉዳይ ምሁራን መንእሰይ ክትርኢ ከለኻ፣ ከመይ ክግበር ኣለዎ? ነቶም ክብርታት መሪሕነት ብፍላይ ህዝባዊ ወገንተኝነትን ተማሃራይነትን ዝመልስ ኣካይዳ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ? ብራሃፆም ንዝበልዕሉ ዘበረታትዕ ስርዓት፣ ነዞም ክብርታት መሰረት ገይሩ ዝኸይድን ድሕረታት ውልቃውነትን ፖፕሊዝምን ዝቃለስን ኣብ ትግራይ ከመይ ክፍጠር ይኽእል? እዚ ክኸውን ተስፋ ትገብር ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ሕዚ ደርገፍገፍ ኣሎ እዩ፡፡ ኣብቲ መሪሕነት ማለት አዩ፡፡ ኣብቲ ውድብ ኣብ ከይዲ ፍሉይ ድልየት ዘማዕበለ ሓይሊ ተሓዋዊሱ ኣሎ፡፡ ዝተፈላለዩ ድሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ውድብ እንተኣትዮም ምትሕውዋስ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ምትሕውዋስ እውን ወገናውነት ዘለዎ ነዚ ስርዓት ንቕድሚት ክወስድ ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ እዩ፡፡ እቲ ናይ ባዕሉ ድሌት ጥራይ ዝገዝኦ ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ፡፡ ካልእ ኣብቲ መንግሰቲ መሪትሮክራሲ ናይ ምህናፅ ጉዳይ ግልፂ ዝኾነ ጠንካራ ፖሊሲን ስተራተጂን የድልዮ እዩ፡፡ ነዚ ስርዓት መሪትሮክራሲ ዝወገነ ነዚ ብፅንዓት መሪሕነት የድሊ፡፡

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ምቹው ኩነታት ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ከም ሓፂን ፅኑዕ ዝኾነ ጎቦታት ዘፍርስ ህዝቢ እዩ ዘሎ፡፡ ኣብ ነበልባል ሓዊ ዝተፈተነ ህዝቢ እዩ፡፡ እቲ ቕድም ኢልና ዝበልናዮም ክብርታት ኣብቲ ህዝቢ ኣለዉ፡፡ ስለዚ መሪሕነት ማለት ነዚኦም ብደንቢ ኣለሊኻ ምስ ሓድሽ ኩነታት ኣጠዓዒምካ ናይ ምውሳድ ጉዳይ እዩ፡፡ ካልኣይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኢልካ ስለዝሓተትካኒ፣ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ክብርታት ኣለዎ፡፡ ነዚ ዘበን ብዝምጥን መንገዲ ነዞም ዕቁር ሃፍቲ ክብርታት ክውፅኦም የኽእል እዩ፡፡ ንኽወፁ ግና ነቶም ክብርታት ዘለሊ ብተነፃፃሪ ብልጫ ዘይኮነስ ብተወዳዳሪ ብልጫ competitive not comperative advantage፣ እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰብ ዝምስረት እዩ፡፡ እቶም ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ቀደምን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓትን ዝተሃነፁ ከም ብሉፅ ክብርታት ወሲዱ ኣብ ህንፀት ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ዓሸራ ክዕርፍ ብዘኽእል መንገዲ ክንቀሳቀስ ኣለዎ፡፡ ኣብ ካልኦት ክልላት ዝስርሑ ስራሕቲ እንዳደገመ ዘይኮነስ ናይ ባዕሉ ፍሉያት ብልጫታቱ ዘለለየ ፖሊሲ ኢኮኖሚ ክህልዎ ኣለዎ፡፡ ካብ ሓደ ፌዴራል መንግሰቲ ዝኸይድ ሓደ ዓይነት መድሓኒት ንኹሉ ቦታ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባታት ክወፅእ ኣለዎ፡፡ እቲ መሰረታዊ ፖሊሲ ፌዴራሊዝም ከዕውት እንተኾይኑ ናይ ባዕሉ ክወስድ ኣለዎ፡፡ ተወዳዳሪ ብልጭኡ ኣለልዩ ክኸይድ ኣለዎ፡፡

ተወዳዳሪ ብልጫ ህዝቢ ትግራይ ኢለ ዝሓስቦ ፅንዓት፣ ድሲፕሊን፣ ንሰብ ንህቦ ክብሪ፣ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ፣ ከምኡ እውን ብነዊሕ ታሪኽ ዘጥረናዮም ቅርስታት ኣለዉ፤ እዚኦም እዉን ናብ ኢኮኖሚ ረብሓ ክንቕይሮ ኣለና፡፡ ብፖሊሲ ደረጃ የለን ክትብል ኣይትኽእልን። ነገር ግን በብኩነታቱ ክቀያየር ኣለዎ፤ ክመዓራረ ኣለዎ፡፡ መፅሓፍ ቁዱስ ኣይኮነን፡፡ ከም ባህሪ እውን ህወሓት በብመድረኹ እንዳተምሃረ ናይ ሓፋሽ ፈብሓ እዩ ቕድሚያ ዝህብ ነይሩ፡፡ ዝደረቀ ነቲ ዝፀንሐ ጥራይ ዝሓይኽ ዝበልዕ እንተኾይኑ ጎታቲ  እዩ ዝኸውን፡፡ skilled incompetency ዝበሃል ኣሎ። ሓደ ጉዳይ ሓደ ግዜ እንተኽኢልካዮ ደጋጊምካ ትሰርሖ እንተኾይንካ ተሸኺልካ ኣለኻ ማለት እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ተደላይነት ሕዚን ንቕድሚትን ብዝፈጥሮ ፍሉያት እሴታት ሃፍቲ፤ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮ ተራ እንዓንበበ እንተኾይኑ ሐዚ ንቅድሚትን እንፈጥሮ ሃፍቲ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ዘለዎ ተራ እውን እንዳዓንበበ ክኸይድ እንተኾይኑ ሕዚን ንቕድሚትን ብንፈጥሮ ሓደሽቲ እሴት እዩ፡፡ ተደላይነትና ክቕፅል እንተኾይኑ፡፡ መሪሕነት ክንብል ከለና ተጋዳላይ ኣይኮነን ንሓስብ፣ ተጋዳላይ ኣብዚ መድረኽ ኣብፂሑ ኣሎ፡፡ ተስፋ መሪሕነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንእሰይ እዩ፡፡ ድሕሪ ዓወት ዝተወልዱ እኳ ደቂ 26 ዓመት ኣለዉ፡፡ 70 ሚእታዊት መንስሰይ እዩ፡፡ እዚ መሪሕነት ብትኽክል ክሰርሕ እንተኾይኑ ስግግር ክህሉ ኣለዎ፡፡ እቲ ስግግር ክህሉ ኣለዎ ይብል፡፡ እቲ ስግግር ባህሪያዊ እዩ፡፡ በዚ ዕለት ክንድዚ መንእሰይ ከነውርስ ኢና ብዝብል መንገዲ ስግግር ይመፅእ ዝብል ኣተሓሳስባ የብለይን፡፡ እቲ ትልሚ ሓጋዚ እዩ፡፡ እቲ ተፈጥራዊ ከይዲ ከይዕገት ወይ ከይዝንግዕ ኢኻ ክትሰርሕ ዘለካ እንበር ምትኽኻእ ብትልሚ ትፈጥሮ ኣይኮነን፡፡ ክዕንቕፉ ዝኽእሉ ኣታሓሳስባታት ግን ፕላን ገይርካ ክውገድ ኣለዎ፡፡ ሕዚ እቲ ውድብ ወይ መንግስቲ ተርኡ ይፃወት ዶ ኣሎ? ዝብል ሕቶ እዩ ክላዓል ዘሎ፡፡

መንግስቲ ንከይዲ ምትኽኻእ ዘዐንቅፉ የጋልህ ኣሎ ዶ ዝብል እዩ ክዕቀን ዘለዎ ከም ተጋዳላይ ኮይነ ንባዕለይ ክርኦ ከለኹ፡፡ ተጋደልቲ ምቹው ኩነታት ካብ ምፍጣር ሓሊፎም ኣብቲ መሪሕነት ዋና ክኾኑ ኣይክእሉን፤ ክንኮን ኣይንኽእልን፡፡ እቶም ተጋደልቲ ኣብዚ ሕዚ ይኹን ኣብ ቀፃሊ መድረኽ እቲ ተረኦም ክረአ ዘለዎ ይዕንቅፉ ዶ ኣለዉ ወይስ ምቹው ኩነታት ይፈጥሩ? ብዝብል እዩ። እምበር ባዕሎም መራሕቲ ክኾኑ የብሎምን። ስለዚ ስግግር የድሊ እዩ፡፡ ስግግር ኣብ ኢኮኖሚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ኣብ መሪሕነት እውን እዩ፡፡ ሕዚ ቁልውላው መሪሕነት ኣሎ እዩ፡፡ ቁልውላው ብዛዕባ ሕጊ፣ ፖሊሲ፣ ወይ ስትራተጂ ኣይኮነን፡፡ ብዛዕባ ኣብ ምትኽኻእ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣነ ንቲ ሓድሽ ወለዶ ዝገልፀሉ፣ እቲ መንአሰይ ክሳብ ሕዚ ተፀባያይ እዩ፣ ነቓፋይ እዩ፡፡ ምንቃፉ ፅቡቕ እዩ፣ ግና ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ፡፡ ናይዚ መዋእል ሓቀኛ መሪሕነት ንቕድሚት ንኸይመፅእ ዝዕንቅፉ ዘለዉ ጉዳያት እዚ እዚ እዩ፤ ስለዚ ነዞም ጉዳያት ተቃሊስና ነቲ ዘሎ መሪሕነት ባዕልና ነቐፅሎ እንተኾይኑ ፅቡቕ እዩ፡፡ ግና ኣነ ዝመስለኒ መብዛሕቲኡ ነቐፌታ እዩ ዝበዝሕ ዘሎ ዝመስለኒ፡፡ እዚ ካብቲ ናይ ቀደም ስርዓት ዝመፀ እዩ፡፡ እቲ ኣፈላላይ ዘሎ ሽም ንጉስ ኣፀሊምኩም ተባሂሉ ስለዘይሕተት እዩ፡፡ እንበር ከም ንጉስ ርኢኻ ምንቃፍ ጥራይ ለውጢ ዘምፅእ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እቲ መንእሰይ ብሓቂ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ፡፡ ብሓቂ ሓላፊነት ዝወስድ መንእሰይ ኣሎ፤ ንኹሉ ይነቅፍ የለኹን፡፡ ግና ሓቀኛ ሓላፍነቱ ኣይወሰደን፡፡ ብርግፅ መንእሰይ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ዘኽእል ዕድል ኣይተመቻቸወሉን፡፡ እቲ ሓደ እቲ ኩነታት ኣይተመቻቸወን ክንብል ከለና ግና ተነፃፃሪ እዩ፡፡ ዝዕፍኖ ነገር እውን የለን፡፡ ዝዕፍኖ ዘሎ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣታሓሳስባ እዩ፡፡ ስለዚ እታ ቁልውላው ኢልናያ ዘለና ዝደሊ ኣካል ኣሎ እዩ፤ ክምርሽ ዝደሊ ‘ውን ግና ይፈርሕ እዩ፡፡ እቲ ዘፍርሖ ዘሎ እቲ ንዘመናት ዝተሃንፀ ማሕበራዊ ቅርፂ ዝፈጠሮ ተፅዕኖ እዩ፡፡

ኣብቲ ህንፀት እውን ፀገም ኣሎ። ኣብቲ ትምህርት ጉደይ ፅሬት ኣሎ፡፡ ኣነ ፅሬት ዝብሎ ኢንግሊዘኛ ምኽኣል ኣይኮነን፡፡ ብርግፅ ፊዚክስ፣ ማትስ ናይ ፅሬት ትምህርት ሕምብርቲ እዮም፡፡ ፊዚክስን ማትስን ንማሕበራዊ ሽግራት መፍትሒ ክኾኑ ከለዉ እንበር ንምግባጥ ጥራይ ተባሂሉ ዝስርሑ እንተኾይኖም ዘይጠቅም እዩ፡፡ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ግና ኒውተን ከምዚ በለ ኣነስታይን ከምዚ በለ ዝብል ዋጋ የብሉን፡፡ ፅሬት ማለት ኣብ ዕለታዊ ህይወትና እቲ ቀመር እንታይ ትርጉም ኣለዎ ዝብል እዩ፡፡ ፅሬት ማለት ንሳ እያ። ልዕሊ ኩሉ ፅሬት ዝብሃል ግና ማሕበራዊ ሃፍተ-ፀጋ/ክብርታት እዮም፡፡ ሶሻል ካፒታል ማለት እቶም ብታሪኽ ዝወረስናዮም ክብርታት ፅቡቓት ናይ መንነትና መግለፅታት ብምልላይ ኣካል መንነቱ ገይሩ፣ ነቶም ድሑራት እውን ዘወግድ፤ ብዋናነት ድማ ተኽእሎ ምሕሳብ ዘዕቢ ስርዓት ትምህርቲ እዩ ፅሬት ዘለዎ ዝበሃል፡፡ ስለዚ ምስዚ ተኣሳሲሩ ጃለንጅ/ፈተነ ኣሎ፡፡ እዚ ሓደ ቀልጢፉ ሓላፍነት ንኸይወስድ ዝገብሮ ዘሎ እዩ፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ምዕራባዊ ውልቃውነት ዘንፀባርቑ ኣለዉ፡፡ ‘ኣነ ከምዚ እንተኾይነ’ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ባዕሎም ይፍለጡ ዝብል፡፡ ‘ሕብረተሰብ፣ ዓዲ ንዓይ እንታይ እያ’ ዝብል ስንፍናን ቅልውላውን ኣሎ እዩ። እዚ ኣባና ማሕበረሰብ ኣይሰርሕን እዩ፡፡ ከይዱ ተሰዲዱ ድሌታቱ ከተኣናግድ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ መግለፂ ቁልውላው እዩ፡፡ ዓድኻ ክትቅይራ እንተኾይንካ ግና መንነትካ ክትሕዝ ኣለካ፡፡ ካብ መንነትከ ወፃኢ ኮይንካ ክትቕይራ ኣይትኽእልን፡፡ ካብዚ ዘሎ መንእሰይ ፅቡቕ መሪሕነት ክወፅእ ይኽእል እዩ፡፡ በደንቢ እንተዘይጠቂምናሉ ከኣ ሓደጋ ክፍጠር ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ኣነ ዝብሎ እቲ መንእሰይ ሓላፊነት ክወስድ ኣለዎ፡፡ እቲ ነባር ተጋዳላይ ድማ ኩነታት ከመቻቹ ኣለዎ፡፡ ክቕየር ኣለዎ፣ ድሕሪ ሐዚ ሞተር ኣይኮነን፡፡ሞተር ኣይኮንኩን ኢሉ ክቕበላ ኣለዎ።  ተራይ ኩነታት ምምችቻው እዩ ኢሉ ክቕበላ ኣለዎ፡፡ ተፈጥራዊ ከይዲ ክኸዶ ብዝግባእ ንክቕል እዩ ኩነታት ከመዓራሪ ዘለዎ።

ውራይና፦ ሎሚ ብድሆታት ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ሃገራዊ ኩነታት ተጋሩ ኣብዚ ግዘ ብፍሉይ ዒላማ ይኾኑ ኣለዉ፣ ንኾን ኣለና ማለት እዩ፡፡ እዚ ዘስግእ እዩ፡፡ ስለዚ ምስ እዙይ ተኣሳሲሩ እንታይ እዩ ክግበር ዘለዎ? ምንጩ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ ኸ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ሕዚ ኣብዚ ብደንቢ ክንጥንቀቅ ኣለና፡፡ ሕማቕ ዘይፀረየ ኩነታት ክፍጠር ከሎ ናብ ዝወረደ ኣጀንዳ እዩ ዝቕየር፡፡ እዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ቃልሲ ዝገጥመና ዝነበረ እዩ፡፡ መብዛሕቲኡ ናብ ዝወረደ ኣጀንዳ ዝኸይድ፤ ናይ አውራጃ፣ ወረዳ ሕቶ ኢዩ ዝለዓል፡፡ ወዲ እገለ፣ ወዲ እገለ እዩ፡፡ እዚ ሓባራዊ ዕላማን ተልእኾን እንተዘይሃልዩ ዝመፅእ እዩ፡፡ ተልእኾ ኣልቦ-ሓይሊ ክፍጠር ዝመፅእ እዩ፡፡ ካልእ ድማ ዕላማን ተልእኾን ክሰኣን ጥራይ ዘይኮነስ ውልቃዊ ድልየታት ንምምላእ ዝፍጠሩ ኣለዉ፡፡ እዚ ባህሪ ኣከብቲ ክራይ ባህሪያዊ እዩ፡፡ ሕስብ ኣቢሎም ዝፈጥርዎ ኣይኮነን፡፡ ካብቲ ባህሪ ዝመፅእ እዩ፡፡ ናብ ስልጣን ክትመፅእ ድልየት እንተሃልዩ ኩሉ ምንቕስቃሳትካ ብኡ እዩ ዝቃነ፡፡ ትሕሱ፣ ሓሶት ነውሪ ኣይኮነን ኣብከምኡ ዝበለ ድሌትን ኩነትን፡፡ ብሄር ምስ ብሄር ተጋጩ፣ እዚ እውን ነውሪ ኣይኮነን፡፡ ባህሪያዊ እዩ፡፡ መትከል ዝብሃል የለን፡፡ ስለዚ እቲ ኩነታት ዝፈጥሮ ዓቕሊ ፅበትን ረበሻን ኣሎ፡፡ እቲ ዓለማዊ ኩነታት እውን ነዚ እዩ ዘመቻቹ፡፡ ንኣብነት ገለ ገሊኦም መንነት፣ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ብሄራዊ ስርዓተ መንግስቲ ዘዋፅእ ብዝብል ምንቕስቃስ ዝመፅእ ዘሎ፡፡ ናይ እኒ ትራንፕ ሞዴል እውን ከም ፅቡቕ ይወስድዎ፡፡ እዞም ዝኸሰሩ ፃዕዱ ሽግርና በቲ ስርዓት ዘይኮነስ ብስደተኛታት እዩ ተፈጢሩ ዝብል ንዑዑ ዝመሳሰል ኣሎ፡፡ ሃይማኖት መፍትሒ ገይሩ እውን ዝመፅእ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብ ግዘ ዓቕሊ ፅበትን ረበሻን ኩሎም ዝተፈላለዩ ድሕረታት እዮም ዝመፁ፡፡

እዚ ሓድሽ ኣይኮነን፣ ካብ ንዕወት እኳ ኣብ 85 ዓ.ም፣ 93 ዓ.ም፣ 97 ዓ.ም ፅልምትምትን ቁሉውላውን ነይሩ፣ ሕዚ ድማ ይርአ ኣሎ፡፡ ሕዚ ቕድም ኢለ ዘቐመጥክዎ ኣብ ስግግር ኢና ዘለና፡፡ እቲ ዋና ክንሓቶ ዘለና እቲ ሽግር ተደጋጋሚ መሊሱ ዝድገም እንተኾይኑ እዩ፡፡ ስለዚ እታ ሓንቲ ተደጋጊማ ንሰምዓ ኣነ ናብ ቃልሲ ካብ ዝኣቱ ጀሚረ ‘ወያነ ከሓዲ’ ዝብል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ እዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ ድሕሪኡ ዝተፈጥሩ ሰባት እውን ንሳ ኣልዒሎም ክጭርሑ ይኽእሉ እዮም፡፡ ሕዚ እዚ ንምንታይ እዩ መፂኡ ዝብል ነጥቢ ምርኣይ ፅቡቕ እዩ፡፡ መንቀሊኡ እንታየ አይ ባህሪኡ ኸ እንታይ እየ?

ለውጢ ስርዓት ዝፈጠሮ ኣብ መንጎ ስርዓት ጎንፂ ኣሎ፡፡ ኣብ መንጎ ስርዓት ዝግበር ቃልሲ እዩ፡፡ ለውጢ ስርዓት እዩ፡፡ በቲ ሓድሽ ስርዓት ስልጣኑ ዝተሓደገ ወይ ክሕደግ እየ ኢሉ ዝሰግእ ዝነበረ ሓንጎፋይ ኢሉ ኣይቕበለካን፡፡ እዚ ዝፈጥሮ ፀገም ኣሎ፡፡ እዚኦም ኣብ ኣመለኻኽታ ንተኸታታሊ 40 ዓመት ኣብ ደቆም፣ ደቂ ደቆምን ሕብረተሰብን ሰሪሐሙሉ እዮም፡፡ ስለዝሰርሑ ግን ኣይኮነን፡፡ ነዚ ዝቃናቀን እንተኾይኑ ብፍላይ ነቲ ስርዓት ንምፍራስ ፈተነ ዝገብር ሓይሊ ክፍጠር ከሎ ፈሊኻ ቕትለት ስብእና (character assassination) ምግባርን ፀላእን ወገንን ምፍጣርን ሓይሊ ከተዳኽም ግድን እዩ፡፡ ብዋናነት ግና ነቲ ኣመለኻኽታ ዝፈጥር ድሕረት እዩ፡፡ ምትእስሳር ዕዳጋ ኣይተፈጥረን፡፡ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዝፋለጥ ኣይኮነን፡፡ መስተጋብር ህዝብታት የለን፡፡

ንሱ ኣብ ዘይተፈጠረሉ እዋን ዝኾና ቀረጢት እንዳፈጠርካ እትገብሮ ዝተዛብዐ ፕሮፖጋንዳ ንግዘኡ ዋጭ ዋጭ ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ፡፡ እንበር ኣብ መንጎ ዝኾነ ከባቢ ዘሎ ሓረስታይ ምንም ዓይነት ናይ ረብሓ ኣፈላላይ የለን፡፡ ግን ከተምስል ኣለካ፡፡ ኣመለኻኽታ/perception ኣለዉ፣ ነዚ ዝቕበል እውን ድሕረት ኣሎ፡፡ ሓሶትን ወረን ክስማዕ ይኽእክ እዩ፡፡ ሓሶትን ወረን ብፍልጠት ኣይተተከአን፡፡ ኣብ ካልእ ዘሎ ሰብ ክመስሎ እውን ይኽእል እዩ፡፡ ገለ ገለ ተጋሩ እውን መንነቶም ተጠቂሞም ብሕማቕ መንገዲ ነዚ ዘጋድዱ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ወዲ ካልእ ከባቢ ክዕዘቦም ከሎ እውን ምስቲ ዝሰምዖ ክመሳሰል ይኽእል እዩ፡፡ ካብዚ እንዳተበገሰ እውን ክጋገ ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ጠንቂ ሓደ ን40 ዓመታት ለውጢ ስርዓት ከምፅእ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ንስልጣን ዝነሓናሕ ሓይሊ ኢሉ ስለዝወስድ፡፡ ብኻልኣይ ነዚ ዝፃወር ድሕረት ስለዘሎ እዩ፡፡ ካብኡ ግን መጠን እቲ ሽግር ክንርኢ እንተኾይና ብኢሊት ደረጃ ኩሉ ግዘ ክህሉ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ሓደጋ ብደረጃ ሕብረተሰብ እንተተፈጢሩ እዩ ሓደጋ ዝኾን፡፡ እዚ ሽግር እዚ ዝፍታሕ በየናይ መንገዲ እዩ ዝፍታሕ እንተኢልና ብማዕርነታዊ ሓድነት እዩ፡፡ ብስርዓት፡፡

እዚ ምንቕስቃስ ብትሕዝትኡ ፀረ-ህዝቢ እዩ፡፡ ፀረ-ተጋሩ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ፀረ-ማንም ህዝቢ፣ ነቲ ከምዚ ዝገብር ሓዊሱ እዩ፡፡ ሓደ ፀረ-ተጋሩ ጥራይ ኢዩ ኢልና ክንወስዶ የብልናን፡፡ ብባህሪኡ ፀረ-ማንም ህዝቢ ኢዩ፡፡ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን እውን ኣይኮነን፤ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ እዩ፡፡ ኩለን እተን ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተኸስተ እንተሪእካዮ፣ ፈለማ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ቅማንትን ነይሩ፣ ብድሕሪኡ ኣብኡ ዝነብሩ ተጋሩ ሽግር ተፈጢሩ፣ ፀኒሑ ኣብ ሶማሊን ኦሮሞን ተፈጢሩ፣ ካብኡ ኣብ ገዶዮ መጤን ነባርን ተባሂሉ ሽግር ተፈጢሩ፡፡ ከምኡ እንዳበልካ እንተሪእካዮ እቲ ዕላማ ፀረ-ህዝቢ እዩ፡፡ ፀረ-ተጋሩ ኣይኮነን፡፡ እዚ በዚ ዝጥቀም ሓይሊ ኣሎ፡፡ መስሓቲ ኣንፈት እዩ፡፡ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዘድህብ እንተኾይኑ ነቲ ኣካቢ ክራይ ቅልፅሙ ኣኪቡ ክወቕዖ ይፅግሞ እዩ፡፡ ናብ ስልጣን ክድይብ እንተኾይኑ እውን ነዘን ድሕረታት እንዳባረዐ ክጥቀመለን ኣለዎ፡፡ ንባዕሉ ከድሕንን ናብ ስልጣን ክወፅእን እዩ ዝጥቀመሉ፡፡ ኣብቲ ህዝቢ ግና ብመሰረቱ ሓደ ህዝቢ ንኻልእ ህዝቢ ኣነፃፂሩ ዘጥቕዐሉ ምትእስሳር የለን፡፡ በቲ ፀረ-ሰላም ብዝገብርዎ እንተሪእኻ ዳርጋ ኢትዮጵያ ኮይኑዋ ተወዲኣ ፈሪሳ ኢያ፡፡ ግና እቲ ምትእስሳር ህዝቢ ኢትዮጵያ ፅቡቕ እዩ፡፡ እቲ ህዝቢ እውን ካብቲ ኢሊት ብዝበለፀ ኣተሓሳስባ ኣለዎ፣ ምስዚ ስርዓት ምትእስሳር ኣለዎ፡፡ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ይኣምን እዩ፡፡ ዋላ ኣቲ ሕማቕ ኩነታት ደረት ኣይሓልፍን ነይሩ ቀደም ‘ውን፡፡ ሓደ ሓደ እዋን ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝፍጠሩ ፕሮፖጋንዳ መሲልዎ ግንፍል ዝብለሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግን ቀልጢፉ ስኽን ይብል እዩ፡፡ ሕዚ ጉዳይ ኣመራርሓ እዩ ዝኸውን ዘሎ ማለት እዩ፡፡

ስለዚ እቲ መፍትሒ እንታይ እዩ፡ ጥቕምን መፃኢ ዕድልን ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ ሕዚ ትፍጠር ዘላ ኢትዮጵያ እያ ትምስረት፡፡ ካብዚ ወፃኢ ህልውና ትግራይ ፈሊና ዝብሃል ነገር ፈሊና ክንሪኦ ኣይንኽእልን፡፡ ጥቅምናን መፃኢ ህይወትናን ኣብኡ እዩ፡፡ እዚ ድማ በይንና ነምፅኦ ኣይኮነን፡፡ ምስ ካልኦት ህዝብታት ጥምረት ፈጢርና ኢና ከነምፅኦ ንኽእል፤ ኣብ ረብሓ መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ፈጢርና ነቲ ስርዓት ድማ ሱር ክሰድድ ብምግባር እዩ፡፡ ፀረ-ድኽነት ቃልሲ እዩ ዝፍጠር፡፡ ካልእ መማረፂ ምርኣይ እውን ናይ ውድቀት መማረፂ እዩ፡፡

ውራይና፦ ኣብ ትግራይ ዘይተማልአ ሕቶ ልምዓት ኣሎ፣ ተስፋ ምቁራፃት እውን ኣሎ፡፡ ካልኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገማት ኣሎ፡፡ ነዚ መሰረት ገይሩ ዝረኣዩ ለውጢታት ኣመለኻኽታ ኣብ ትግራይ ኣለዉ፡፡ ሓደ ኢትዮጵያ ዝብል ሓሳብ ንግደፎ ዝብል እዩ፤ ኣግኣዝያን ዝብል ሓድሽ መንነት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣሎ፡፡ ካልኣይ ምስ እዚኦም ከመይ ኢለና ንነብር ዝብል ኣመለኻኽታ ኣሎ፡፡ ቅድሚ 11 ዓመታት ኣግኣዝያን ዝብል ምንቕስቃስ ክመፅእ ከሎ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይነበሮን፡፡ ድሕሪ ክስተት ጎንደር ስዒቡ ግን ብዙሓት መንኣሰይ ቕጥዒ ኣባልነት ኣግኣዝያን ዝመልኡ ኣለዉ፡፡ እዚ እቲ ዘሎ ስግኣታት ዝፈጥሮ እዩ። እዚ ከመይ ክኾን ይኽእል ናበይ ይወስድ? ከመይ ትሪኦ ንስኻ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦  ቅድም ክብል ገሊፀዮ እየ፡፡ ኣብ ሽግር እዋን ከምዚ ፀገም ዝፍጠር ቁልውላው መሪሕነት ክህሉ ከሎ እዩ፡፡ ስለዚ ብዋና መፍትሒ እቲ መሪሕነት ተስተኻኺሉ ነቲ ቁልውላው ክሰግሮ ኣለዎ፡፡ ሕዚ እቲ ተስፋ ምቁራፅ እዩ ከምኡ ዘምፅእ ዘሎ፡፡ ብዋናነት ግና ሓደ ንሕብረተሰብ ንድሕሪት ምጉታት እዩ፡፡ ብማሕበረ ሰባዊ ከይዲ ማዕቢልና መፂና ኣለና፡፡ ኢትዮጵያ ዝብሃል እኮ ተመስሪቱ እዩ፡፡ ካብዚ ንዳሓር ዞባዊ ወይ ኣፍሪቃዊ ውህደት ኢዩ ክህሉ ዝኽእል፡፡ ምኽንያቱ እቲ ዞባዊ ውህደት ዝጠቅመና ንዕዳጋ እዩ፡፡ ሰፊሕ ዕዳጋ ዘይብሉ ድማ ክነብር ወይ መንነቱ ክሕሉ ኣይክእልን፡፡ ሕዚ ኣብ ብሄር ዝተመስረተ ዕዳጋ የለን፡፡ ዕዳጋ ዓለምለኻዊ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ እሞ ንግደፎ፡፡ ንኻልእ ሒኽ ንብለሉ ግዘ እዩ፡፡ ንኣብነት ቻይና ቻይና ዝኾነት ዓብይ ናይ ባዕላ ዕዳጋ ስለዘለዋ እያ፡፡ ብርግፅ ውሑዳት ኮይኖም ብታሪኽ ኣጋጣሚ ብልፅግና ዝፈጠሩ ኣለዉ፡፡ ከም እኒ ታይዋን ሲንጋፖር ዝበሉ፡፡ ኣብ ኣውሮፓ እውን ከምኡ ነይሩ እዩ፡፡ ኣውሮፓ እውን ናብ ሓደ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ እዮም፡፡ ሕዚ ግና ናይ ኢንግሊዝ ምውፃእ ይፍትኖ ኣሎ እዩ፡፡ እዚ እቲ ቅድም ኢለ ዘቕረብክዎ እዩ፡፡ እዚ ክልከላ (protectionism) ዝብሃል ወይ ባልካናይዜሽን ዝብሃል ማለት እዩ፡፡

ሰባት ብደረጃ ዓለም ንምትእስሳር ዝጥቀምሉ ንኣብነት ብሳይበር ሓደ እዩ፡፡ ሕዚ ናይ ትግራይ ትብል ሳይበር ጥራይ ሃኒፅካ እንታይ ትረክብ? እንታይ ፍልጠት እዩ ዘለዋ፣ ዝኾነ ናይ  ትግራይ ከተንሸራሽር ትኽእል ኢኻ፡፡ ዕዳጋ ኸ ኣለዋ ዶ? ምስ ዓለም ዝተኣሳሰረ መስተጋብር ክህሉ ኣለዎ፡፡ ሳይበር ዓለማዊ ምትእስሳር እዩ፡፡ ሕጉስ እውን ኣይትኸውንን፡፡

ስለዚ ሕዚ ንድሕሪት ትምለሰሉ ኣይኮነን፡፡ ንድሕሪት ምምላስ ማለት ነናብ ብሄርካ ተሸኩዕካ፣ ሓፁር ፈጢርካ ብቋንቋ ጥራሕ ክስታይ ክትገብር ኣይኮነን፡፡ ኣብቲ ኣህጉራውን ሃገራዊን ምትእስሳር መንነትካ ምሕላው ሓደ ጉዳይ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ትግራይ ወይ ኦሮሞ መንነት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣይኮነትን፡፡ አብ መንነት ድማ ምብልላፅ የለን፡፡ እቲ ጉዳይ በዝሒ ህዝቢ ኣየኮነን፡፡ ብርግፅ በዝሒ ህዝቢ ዕቁር ሃፍቲ ዕዳጋ ክኾን ይኽእል፡ ዕዳጋ ማለት ኣይኮነን፡፡ እዚ በዝሒ ህዝቢ ምፅብፃብ ፊውዳላዊ ኣታሓሳስባ እዩ፡፡ ብዙሕ ወይ ውሑድ ህዝቢ ኣለና ፊዳላዊ ኣተሓሳስባ እዩ፡ ፊዳላዊ ኣተሓሳስባ ክንደይ ሰራዊት ኣለካ፣ ክንደይ ጋሻ መሬት ኣለካ እዩ፡፡ ሕዚ ኣብ ዓለም ፍልጠት እዩ ወሳኒ፣ በዝሒ ኣይኮነን፡፡ ውሑድ ኮይኑ ናብ ፍልጠት፣ ብዙሕ ኮይኑ ናብ ዕዳጋ እንተዘይተቀይሩ ዋጋ የብሉን፡፡

ስለዚ እቲ ቀፃሊ ህይወትና ኣብ ምትእስሳር እዩ ዝምስረት፡፡ ነዚ ድማ ብዙሕ ዋጋ ተኸፊልዎ እዩ፡፡ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዋጋ ከፊሎም እዮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ዋጋ ከፊሉ እዩ። ብድልየት እዮም ሓቢሮም ዘለዉ፡፡ እቲ ሓደ መፍረሲ እቲ ሓደ ሃናፂ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ብምፍቕቓድ እዮም ሓቢሮም ዘለው፤ ብዚ ድማ ነዊሕ ተኸይዱ እዩ፤ ዓብዪ ተስፋ ‘ውን ኣሎ ንቕድሚት።  ስለዚ እቲ ናይ ኣግኣዝያን ምንቕስቃስ ምዕባለ ሕብረተሰብ ንድሕሪት ምምላስ ገይረ እየ ዝርእዮ፡፡ ገስጋሲ ኣይኮነን፣ ጎታቲ እዩ፡፡ እዚ ንድሕሪት ምምላስ እዩ፡፡ ብኡ ኣንፃር ኢና ክንሪኦ ዘለና፡፡ ብቕልውላው ስምዒት ተደፋፊእኻ ናብ ጉጉይ መንገዲ ክትከይድ፣ ናይ ሕብረተሰብ ባህርያዊ ምዕባለ ንድሕሪት ክትመልስ የብልካን፤ እንተትደሊ ‘ውን ኣይኾነልካን።  ካልኣይ ብዝሃነት ዝቕበል ኣይኮነን፡፡ ዋላ ካብ ኢትዮጵያ ተነፂሉ ኣብታ ዝምስርታ ግዝኣት ዝብላ ንኣብነት ኣብ ኣግኣዝያን ከምዝብልዎ ንኣስላም፣ ንኩናማ፣ ዓፋር ዝቕበሉ ኣይኮነን፡፡

ቀፂሉ እውን ናብ ታሕቲ ወሪዱ ኣነ ማእኸል እየ ዝብል ክህሉ እዩ፡፡ ንኣብነት ተስፋፅዮን ድሕሪ ኣክሱም ማእከል ስልጣነ ዝነበረት ፃዕዘጋ ኢዩ ዝብል፡፡ ስለዚ ከይዳ ከይዳ ናብ ፃዕዘጋ እያ ትኸይድ፡፡ እዚ ብጣዕሚ ምውራድ ማለት እዩ፡፡ እዚ መፍረሲ እዩ፡፡ መግለፂ ድሕረት እዩ፡፡ ወዲ ሰብ ካብ ዝሓስቦ ደረጃ ወሪድካ ምርካብ እዩ፡፡ እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ግና መንነትካን ታሪካን ምፍላጥ ፅቡቕ እዩ፡፡ ብደንቢ ታሪኽናን መንነትናን ከነፅንዕ ኣለና፡፡ ንሱ ግን ነቲ ሓባራዊ ሃገር ወይ ዓለም ንብሎ በዘለዎ ኣስተዋፅኦ ኢና ንሪኦ፡፡ ንበይንና ስለ ዘይንነብር። እዚ ከም ኣባጎበየ ናብ ሼል ምሽካል ማለት እዩ፡፡ ርእሱ ኣውፅእ የብል እታ ኩነታት ዘይትጥዕሞ እንተኾይና ተሸኺሉ ይኣቱ፡፡ ተሸኺልካ ምድቃስ፣ ካብ ዓለም ተፈሊኻ እዩ፡፡ እዚ ስዕረት እዩ፡፡

ካልእ ተስፋ ምቁራፅ ዝብሃል ዘሎ ብጥልቀት ክንርእዮ ኣለና፡፡ ንምንታይ ተስፍኡ ኣብ ባዕሉ ዘይኸውን፡፡ ባዕሉ ተስፋ እየ ኢሉ ዘይብገስ፣ ክልውጦ ኢየ ኢሉ ዘይብገስ፡፡ እቲ ናይ ቅድሚት መፍትሒ ንሱ እዩ፡፡ ብናተይ ኣተሓሳስባ ኣብ ባዕሉ ተስፋ ዝገበረ መንእሰይ ኢዩ ሃገር ክቕይር ዝኽእል፡፡ ካብኡ ሓሊፉ እቲ ውድብ ህወሓትን መንግስትን ባዕሉ ንባዕሉ ዝእርመሉ ስርዓት ስለዘለዎ ተስፋ ክቖርፅ ዘለዎ ኣይመስለንን፤ ብኡ መሰረት ብቲ ናይ ባዕሉ ማዕቀፍ ከዕርዮ ኣለዎ፡፡ ልዕሊ ኩሉ እቲ ዕላማ የዋፀና ዶ ኣየዋፀናን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ ሕዚ እውን ናብ ቅድሚት ይወስደና ዶ ኣይወስደናን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ ምይይጥ፡፡ ነቲ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ንምፍፃም ድማ ዝተፈጥረ ውዳበ ኣሎ፡፡ ህወሓት ካብ ካልእ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ትግራይ ቁቡል እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ምስ ውልቀሰባት እውን ኣይተኣስሳሮን፡፡ ካብኡ ሓሊፍካ ግና ኣብቲ ስልጣን ዝደየበ ሓይሊ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝጠቐስክዎ ምትሕውዋስ ኣሎ፡፡ ባዕሉ ከፅሪ ኣለዎ፡፡ ናብቲ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ዝውግን ሓይሊ ፈልዩ ክወፅእ ኣለዎ፡፡ እዚ እውን ቃልሲ የድልዮ እዩ፡፡  ኣነ ከምዝስተኻኸል ተስፋ አለኒ፡፡ ተስፋ ጥራይ እውን ዘይኮነስ ንድሕሪት ክምለስ ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ እቲ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢን እቲ ዝተቃለሰ ተጋዳላይን መብዛሕቲኡ ብህይወት ኣሎ፣ ንቕድሚት ክምርሽ ዝደሊ መንእሰይ እውን ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ኩነታት ከምድላዩ ክጨማለቕ ዝደሊ ሓይሊ ክስጉም ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ንግዘኡ ግን ቃንዛ ክፈጥር ይኽእል እዩ፡፡

ውራይና፦ ሓንቲ ግና እቲ ኣግአዝያን ንበሎ ዘሎ ምንቕስቃሳት፣ ሓደ ክፍታሕ ዘለዎ ነባረዊ ኩነታት ግን ኣሎ፡፡ ኣብ መንጎና ዘሎ ርክብ፣ በቲ ሓደ ሓደ ዘሎ ምርኣይ ዘይኮነስ፣ ብርግፅ ትግርኛ ምዝራብ፣ ምትሕግጋዝ፣ ባህልና፣ ታሪኽናን መንነትናን ምዕባይ ከምዘሎ ኮይኑ፡፡ እቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ዘይተፈትሐ ሽግር እንተሓሰብናዮ እውን ፅቡቕ እዩ፡፡ እሞ ምስ ህንፀት ዕዳጋን ርክብ ስነልቦናን ነዚ ጉዳይ ከመይ ትርእዮ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ኣብቲ ኣግኣዝያን ዝብል ዝተወሰነ ሰበኻታት ኣንቢበ ነይረ፡፡ ሓንቲ ፍልይ ኣቢሉ ዘቐምጣ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ዘመን ኣብ ብሄር መሰረት ዝገበረ ህንፀት እዩ፡፡ ኣብ መንነት መሰረት ገይሩ ስልጣነ ዘይሃንፅ ድማ ጠፋኣይ አዩ ዝብል እዩ፡፡ ካልኣይ መረበት ዓዶም ኣጋእዝያን/ተጋሩ ሕዚ እታ ኤርትራ ትብሃል ዘላ እያ፡፡ መጀመሪያ ኣክሱም፣ ዓድዋ ነይሩ፣ ብድሕሪኡ ናብ ፃዕዘጋ ደሓር ማእከል ነይሩ ዝብል ኣሎ፡፡ ስለዚ እቶም ክሳብ ማይጨው፣ ራያ፣ ወልቃይት ተዘርጊሖም ዘለዉ ተጋሩ ናብ መበቆል ቦትኦም ኤርትራ ክምለሱ ኣለዎም ዝብል እዩ፡፡ ስለዚ እቶም ዘይናቶም ቦታ ሒዞም ዘለዉ ድማ ማይኖሪቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል እዩ፡፡

ካልአይ ኣግኣዝያን ብመሰረቱ ናይ ኦርቶዶክስ ታሪኽ እዩ ዘለዎ፡፡ ዝብል ኣሎ። እዚ ነበራያ ነበረ እዩ ዘምፅእ ዘሎ፡፡ እዚአን ባዕለን ወሲድካ እቲ ምንቕስቃስ ፀረ-ህዝቢ ምዃኑ ንምፍላጥ፣ ፀረ-ምዕባለ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ሓደ ኢትዮጵያ ዝብሃል ኩሉ ዝሃነፃ ሃገር እያ፡፡ ትግራዋይ እውን ናይ ባዕሉ እጃም ኣለዎ፡፡ እዚ ግና ዘሎ ፀገማት ማእከል ገይሩ ምስ ካልኦት ህዝብታት ንምብትታኽን ንድሕሪት ክምለስ ዝገብርን እዩ፡፡ ካልእ ንዑ ተመለሱ ዝብል ጥዕና የብሉን፡፡ እቲ ትግራይ ዝብሃል ዘሎ ሕዚ ህልውንኡ ምኽሓድ እዩ ዝኸውን ዘሎ፡፡

ዝኾነ ሕብረተሰብ ጂኦግራፊ ኣይኮነን ዝውስኖ ኣብቲ ቦታ ዝሰፍር ሰብ እዩ ዝውስኖ፡፡ ስለዚ ብታሪኻዊ ከይዲ ትግራዋይ ዝብሃል ምስቲ ሰፊርዎ ዘሎ ጂኦግራፊ ተኣሳሲሩ እዩ ዝርአ፡፡ ስለዚ ሃገራት ዝብሃል ኣርቲፊሻል ክፍፍል ዶባት ኣሎ፡፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዶባት ባዕዳዊያን ገዛእቲ ዝፈጠርዎ እዩ፡፡ እዚ ዶባት ብናይ ባዕሉ ተፈጥራዊ ከይዲ ክፈርስ ኣለዎ፡፡ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ክፍጠር ከሎ ድማ ዝፈርስ እዩ፡፡ እወታዊ ምስሕሓብ እንተሃልዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኤርትራውያን ኣርቲፊሻል ክፍፍል ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያ ክሓብሩ እንተኾይኖም ኢትዮጵያ ክስሕቦም ኣለዎ፣ ኤርትራ እውን ንኢትዮጵያ ክስሕብ ኣለዋ፡፡ ስለዚ እቲ ዶብ ናብ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ክቕየር ኣለዎ፡፡

ሕዚ ኣብ ኣውሮፓ ንኣብነት ሉግዘንበርግ እንተወሲድና ምስ በልጂም፣ ፈረንሳይ ዘለዋ ኣርቲፊሻል ዶብ ጠፊኡ እዩ፡፡ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ዝኾኑ ፈረንሳውያንን ቤልጀማውያንን ኣብ ሉግዘንበርግ እንዳሰርሑ ይውዕሉ ናብ ዓዶም ከይዶም ከኣ ይሓድሩ፡፡ እቶም ደቂ ሉግዘንበርግ ከኣ ኣብ ሉግዘንበርግ ይሰርሑ ኣብ ፈረንሳይ ድማ ይነብሩ፡፡ እቲ ዶብ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ኩነት እዩ ተቀይሩ፡፡ ንቀፃሊ እዚ ዝመፀሉ ምኽንያት ውህደት ኢኮኖሚ ስለዘሎ እዩ፡፡ ሕድሕድ ምስሕሓብ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ኣብዚ ምትእስሳር አሎ፡፡ እቲ ሓደ ኢና፣ ሓደ ባህሊ፣ ሓደ ቋንቋ ኣለና ዝብል ኣብዙይ ብደንቢ ይሰርሕ ንቲ ምትእስሳር የራጉዶ። ንሕና ቀደምና ኣግኣዝያን ኢና ነይርና ስለዚ ናብዚ ንምፃእ ዝብል፡ ጎታቲ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ተፈጥራዊ ጉዕዞ ከይዲ ውህደት ሕብረተሰብ ዝፃረር እዩ፡፡ ሕዚ ዕዳጋ እንዲዩ ዘተኣሳስረና ዕዳጋ ክፍጠር ኣለዎ፡፡ ይትረፍ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብታሪኽ ዝተኣሳሰረ ህዝቢ፤ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ብከይዲ ክፈርስ እዩ፡፡ ነዚ ብዝጠቅም መንገዲ እዩ ታሪኽ ክረአ ዘለዎ፡፡ እዚ እውን ‘ዩ ንሕብረተሰብ ንቕድሚት ከሰጉም ዝኽእል፡፡ ስለዚ ስለዝደለኻዮ ኣይመፅእን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዚ ክኾና ኣለወን፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኸምዚ ክፍታሕ ሓለዎ፡፡ ስለዝደለኻዮ ዝኸውን ኣይኮነን፡፡ እስኻ ክትደሊ ትኽእል እቲ ሓደ ወገን ከ ይደሊ ዶ? ብኡ ደረጃ ድልው ዲዩ? እቲ ህዝቢ ኣይኮነን፣ ስልጣን ዘለዎ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ እዩ፡፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኸ ባህሪኡ እንታይ እዩ? ብባህሪኡ ፅግዕተኛ ክሳብ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ ድሌት እንበር ናይ ሃገር ወይ መፃኢ ዘቐድም ሓይሊ ስለዘይኮነ እቲ ውህደት ሱቕ ኢሉ ኣይመፅእን፡፡ በኸይዲ ግና ክፍጠር እዩ፡፡ ናይ ዓቕሊ ፅበት እዩ ዝመስለኒ፡፡ ብተወሰኺ ፀረ-ኣስላም ኢሉ እንተተበጊሱ ድማ ፅባሕ ንግሆ እዚ ጴንጤ እዩ እዚ ገለ እዩ እንዳተባህለ ናብ ምጥፍፋእ እዩ ዝኸይድ፡፡

ውራይና፦ ፅቡቕ፡፡ ሕዚ ንቕድሚት ክንርኢ፤ መጀመሪያ ብዛዕባ መፃኢ ክንዛረብ ከለና፡ ሕፅር ብዝበለ ናብቲ ክንበፅሖ እንደሊ ህንፀት ሃገር ኢትዮጵያ ንኸይንጉዓዝ ናይ ታሪኻ ኣፈላላዩ፣ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዘይምፍጣሩ ከም ዓበይቲ ምኽንያታት ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ግና እቲ ክንበፅሖ ንደሊዮ ጉዕዞ እንታይ እዩ? ኣብ ህንፀት ሃገር ስምምዕነት የለን፡፡ ንደልያ ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ዕላማ ራኢ ኣቐሚጥና መንገድ ንነፅር እሞ ንዕኣ ዘዕንቅፍ እንተሃልዩ ብሓባር ክንወዖ። ስለዚ እታ እንምነያ ትዮጵያ እየ ኣበይ ኣላ ዝብል ዘለኹ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ሕዚ ኢትዮጵያ ናበይ ትኸይድ ኣላ ዝብል ተነፂሩ እዩ፡፡ ብቀለልቲ ማኑፋክቸሪንግ መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚ፡፡ ማእከላይ እቶት ዝብል ዝተቐመጠ ኣሎ፡፡ ብዘላቒ ከኣ እቲ ግስጋሰ ከምቲ እኒ ቻይና ዝኸደኦ ናብ ዝበልፀገ ሕብረተሰብ  ምስግጋር እዩ፡፡ እዚ ካብ ኢኮኖሚ ኣንፃር ካበይ ናበይ ከምንሰጋገር፣ ብማሕበራዊን ፖሊቲካውን ምትእስሳር እውን ካበይ ናበይ ከምንሰጋገር ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ሕዚ ንኣብነት ፌዴራል ስርዓት፡ መንነት መሰረት ዝገበረ ፌዴራላዊ ምትእስሳር ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ዘለዎ፡፡ ብቀፃሊ እውን እቶም ኣብ ውሽጡ ኣብ ክልላት ኢትዮጵያ ዘለዉ ወሰናት ክፈርሱ እዮም፡፡ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ደረጃ ክወርዱ እዮም፡፡ ልክዕ ከምቲ ቕድም ክብል ኣብ ኣውሮፓ ዘሎ ምትእስሳር ህዝብታት ዝገለፅክዎ ማለት እዩ፡፡ ትግራዋይ፣ ኣምሓራይ፣ ኦሮሞ ዝብሉ ዘረባታት ትርጉም ናብ ዘይብሉ ደረጃ ክወርድ እዩ፡፡ ኣርቲፊሻል ዶብ ኣሎ፤ ብታሪኽ ዝመፅእ መንነት እውን ኣሎ፡፡ እቲ መንነት ይጠፍእ ማለት ኣይኮነን። ናይ ኩሉ መንነት ማዕረ ዕድል ረኺቡ ዝብልፅገሉ ክህሉ እዩ፡፡ መንነት ኣምሓራ፣ ትግራዋይ፣ ኦሮሞ ግን ከም መሸፈኒ ብሄር ዘይኮነስ ከም መተአሳሰሪ ዕዳጋ ወይ ሃፍቲ ናብ ዝኾነሉ ክሰጋገር እዩ፡፡

ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልም፣ ማኑፋክተሪንግ፣ ኣገልግሎት፣ ፍልጠት፣ ታሪኽ፣ ቱሪዝም ክትርኢ ከለኻ፣ ንኣብነት ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ታሪኽ ንዓለም ተሸይጡ ንኢትዮጵያ እታዎት እንተኾይኑ ታሪኽን መንነትን ተጋሩ ንኢትዮጵያ ሃፍቲ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ወሰን ኣብ ከይዲ ክፈርስ እዩ፣ጠንካራ ምትእስሳር ክፍጠር እዩ፡፡ እዚ ዝመፅእ ግና ኩሎም ከባቢታት ነናይባዕሎም ሃፍቲ እንተፈጢሮም፣ ምስሕሓብ እንተመፅዩ እዩ፡፡ እዚ ሱቕ ኢሉ ብምምሕዳር ዝመፅእ ዘየኮነስ ብምትእስሰር ኢኮኖሚ ትፍጠር ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ኣብ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዝተፈጥረ እውን መንነታዊ ምትእስሳር ይፍጠር እዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስዚ ዞባና ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር እውን ክትከይድ እያ፡፡ ናብዚ ክትበፅሕ ዝኽፈል መስዋእትነት ኣሎ። እዚ ሕርሻ መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚ ክሰጋገር ክኽእል ኣለዎ፡፡ ብዋናነት ብልፅግና ዝመፅእ ብፍልጠት እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ውሕስና ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ማሕበረሰብን ኢኮኖሚን ክህነፅ ከሎ እዩ፡፡ እዚ ሓቢሩ እዩ ክኸይድ ዘለዎ፡፡ ብናተይ ኣተሓሳስባ ቴክኖሎጂ፣ እዚ ሕዚ ዘሎ ዓቕሚ ሳይበርን ካብኡ ምስ ዞባ እውን ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር ክትከውን እያ፡፡ እዚ ቴክኖሎጂ፣ ሳይበር ንዝላ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፤ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታት እውን ንኽንሰግሮም ዕድል ይህበና እዩ፡፡ ስለዚ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ማለት ዝበልፀገት ትግራይ፣ ዝበልፀገት ኦሮሞ፣ ዝበልፀገት ኣምሓራን ካልኦትን ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ትግራይ ኣብዚ ትሪኣ ማለት እዩ፡፡ ሕዚ እቲ መንእሰይ ትግራይ ናይ ፍልጠት ቢዝነስ ናይ ኢኮኖሚ ሞተር ኮይኑ ክትሪኦ ከለኻ ማለት እዩ፡፡ ታሪኽ፣ ቅርሲን ..ትግራይ ንቱሪዝምን ክኾን ከሎ እዩ። ንኣብነት ካርል ማርክስ ዝተወለደላ ሓንቲ ንእሽተይ ከተማ ኣብ ጀርመን ኣላ፡፡ ኣብ ዓመት 3.5 ሚልዮን ዑደተኛታት ይበፅሕዋ፣ ይሕውፅዋ፡፡ ንእሽተይ ከተማ እያ ግን ናይ 19 ክ/ዘመን ቅርስታት ኣለዋ፣ እኒ ናፖለሊዮን ኩናት ዘካይድሉ ቦታ እዩ እውን፡፡ ንሕና ናይ ነዊሕ ክፍለ ዘመን ታሪኽ እዩ ዘለና፣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተፈጸሙ እዮም፡፡ ንሕና ምዕባለ ወዲ ሰብ ኢልና ንገልፀሉ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ባዕሉ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዋልታ ኢኮኖሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ዕቁር ሃፍቲ ኣሎ እዩ፡፡ እዚ ክኸውን ዝኽእል ግና ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ እንተሃልዩ እዩ፡፡

ውራይና፦ ከም ተጋሩ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምንቕስቃስ ነናይ ባዕልና ኣበርክቶ ክንገብር ከለና ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝህሉ ነገር ልዕሊ ተጋሩ ካልኦት ክግደሱ ዝኽእሉ ኣይኮኑን፡፡ ፀገማታትና ፈሊና ፈቲሕና፣ ዓቕምታትና በግቡእ ተጠቂምና ናብቲ ሓባራዊ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ንቀርብ ማለት እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ብኡ መሰረት ኢና ከም ተጋሩ ክንሓስ ዘለና ዝብል ሓሳብ ኣለኒ፣ ክንሓብ ከለና ፖሊሲ፣ ስትራተጂ፣ ቢሮክራሲ ዘለዎ መንግስቲን ውድብን ኣሎ፣ እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ከም ማሕበረሰብ ግነ ነዚ ዝመላላእ ናይ ባዕልና ዓቕሚ ዝጥቀም፣ ዝሓስብ ጉጅለ ወይ ማእከል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ታሪኽና፣ ቱሪዝም ናብ ኢኮኖሚ ረብሓ ንምቕያር እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና፡፡ ጥሙር ዘላቒ ልምዓት ክሓስቡ ከዳልዉ ዝኽእሉ ምሩፃት ተጋሩ ክሀልዉ ኣለዎም፡፡ ሙሩፃት ደቂ ትግራይ ኮፍ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም ብነፃነት። ዋላ ናይ መንግስቲ መሰረታዊ ፖሊሲ ናብ ጭቡጥ ዝቕይር ምንቕስቃስ ክህልዉ ኣለዉ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ፡፡ እዚ ጉዳይ ከመይ ትርእዮ?   

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ትኽክል ኢኻ። ሕዚ ኣብ ትግራይ ኢንቨስትመንት ክካየድ እንተኾይኑ፣ ግድን ኢንቨስተራት ተጋሩ ክኾኑ ኣለዎም ክንብል ማለት ኣይኮነን፡፡ ይትረፍ ኢትዮጵያውያን ካልኦት ዜጋታት ዓለም እውን ኣብ ሃገርና ኣትዮም ኢንቨስት ንኽገብሩ ሒኽ ኢና ንብል ዘለና፡፡ ሕዚ ነቲ ዘሎ ሓፁራት ፈንፂሕና ክንከይድ እቲ ዋና ሞተር እቲ ህዝቢ እዩ፣ ኣብዚ ህዝቢ ተምፀአ ለውሚ እዩ፡፡ ካብኡ ስደተኛ ናይቲ ህዝቢ እውን ኣሎ፡፡ ሕዚ እስራኤል ብስደተኛ ኣይሁድ እያ ጠነኪራ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ሓይሊ ዝተፈላለየ ዓይነት ተሞክሮን ፍልጠትን ስለዘንቅሳቅስ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ካፒታል እውን ኣለዎ፡፡ ስለዚ እቲ ነባራይ ህዝቢ፣ እቲ ካብቲ ህዝቢ ተሰዲዱ ዘሎን ካብ ካእል ዓለም ዝመፅእ ኣካልን እዩ ብሓባር ዘልምዓ፡፡ ማለት ዝኾነ ዝራሕ ክስራሕ እንተኾይኑ ክውሰን ክድረት የብሉን፡፡ ናይ ተጋሩ፣ ናይ ገለ ኢልና እንተወሲድናዮ ፀቢብ ዓነኬል ዝሽክርከር እዩ ዝኸውን፡፡

እቲ ዋና ነገር ኣብ ትግራይ ወፍሪ ኢንቨስትመንት ክህሉ አንተኾይኑ ወይ ፀጋታት ዓቕሚ ህዝቢ ክብልፅግ እንተኾይኑ ምቹው ኩነታት ወይ ሰሓባይ ምዃን እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ክግበር ስሕበት ንኽህሉ ክስራሕ ኣለዎ፡፡ ኢንቨስትመንስት ክስሕብ ዝኽእል ምቹው ፖሊሲ፣ ስርዓት ኣሰራርሓን ቢሮክራሲን ክህሉ ከሎ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ክስሓብ እንተኾኑ ትግርኛ ብምዝራቡ ዘይኮነስ ክንቕየር ኣለና ዝብል ራእይ ዘለዎ ህልኽ ዘለዎ በብዝመሰሎ ክንቅሳቀስ ከሎ እዩ፡፡ ነዚ ከንቀሳቅስ ዘኽእል ኩነታት ክህሉ ከሎ እዩ፡፡ ስለዚ ብሓፈሻ ክረአ ከሎ እቶም ውዳበታት ብዙሓት እዮም መወዳእታ የብሎምን፡፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንኣብነት ኣብ ግዘ ስልጣነ አኽሱም፣ ወይ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ባይቶ ህዝባዊ ምምሕድዳር ወሲድካ እቲ ዝነበረ ተሞክሮ ንኣፍሪቃ ክሽየጥ ይኽእል እዩ፡፡ ብፎረም ኣቢልካ ድዩ ብካልእ ክሽየጥ ይኽእል እዩ፡፡ ብሳይበር እውን ተመሳሳሊ ክስራሕ ይከኣል እዩ፡፡ ብዝኾነ ብዙሓት ዩኒቨርስቲታት ምርምር ከካይዱ ይኽእሉ እዮም፡፡ ካልእ ድማ ግእዝ መሰረት ገይርካ ብዙሕ ክስራሕ ይካኣል እዩ፡፡ ፊደላትና ናብ ቋንቋ ኮምፒዩተር ክቕየር ይከኣል፡፡ ምርመራ ክግበረሎም ይከኣል፡፡ ብኻልእ መንገዲ ከኣ ቴክኖሎጂ እዩ፡፡ ብዙሓት ስታርት ኣፕ፣ ብዙሓት ውዳበታት ክፍጠሩ ክኽእሉ ኣለዎም፡፡ ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ተፈጥራዊ ከይዲ እዩ፡፡ ነዚ ተፈጥራዊ ከይዲ ዝሕንክሉ ማሕኻታት ግና ክፅረጉ ኣለዎም፡፡ ንሕና ንሱ ኢና ክንገብር ዘለና።

ውራይና፦ እንታይ ዓይነት ማሕለኻታት እዮም ትብሎም ዘለኻ?

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ማሕለኻ እዩ። እቲ ሓደ ፀቢብ ኣመለኻኽታ እዩ፡፡ ትግራዋይ እንተዘይኮይኑስ ካልእ ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ክገብር ወይ ምሳና ክሓብር ኣይክእልን ዝብል እዩ፡፡ ትግራዋይ ምስ በልካ እውን ናይ እገለ ኣውራጃ እንተዘይኮይኑስ ምሳይ ሓቢሩ ክኸይድ ኣይክእልን ዝብል እዩ፡፡ እዚ መቃቕራዊ ሽግር ኢዩ ዝፈጥር፡፡ ብጣዕሚ ሓደገኛን ድሑርን ኣተሓሳስባን እዩ፡፡ ቢዝነስ ዓለማዊ እዩ፡፡ ብርግፅ ተመሳሳሊ ሰባት እዮም ናብ ሓደ ክመፁ ዘለዎም፡፡ ተመሳሳሊ ሰባት ግና ትግራዋይ ብምዃንካ ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ምትእስሳር ክንፈጥር ኣለና፡፡ ክነዘልል ኣለና፣ ሱቕ ኢልና ኣብ ሓንቲ ቦታ ከንሕፀር የብልናን፡፡ ሕዚ ይትረፍ ምስ ኢትዮጵያውያን ምስ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ክንሓብር ኣለና፡፡ ካብኡ ሓሊፍና ምስ ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ፡፡ ስለዚ ክፉት ኣእምሮ ክህሉ ኣለዎ፡፡ ክትሓስብ ከለኻ እቲ መለክዒኻ ክስተኻኸል ኣለዎ፡፡

ብኻልእ መንገዲ እውን ዴሞክራሲያዊ ዘይኮኑ ኣተሓሳስባታት ይፈጥሩ ኣለዎ፡፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘየተኣናግድ፡፡ ሓሳባት ዘነኣእስስ ዝፈርድ፡፡ ስለዚ እቲ ዋና ማሕለኻ ኣብ ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎ፡፡ እዚ እንተኾኑ ሕብረት /synergy/ ክንፈጥር ኣይኽእልን፡፡ እቲ ዓቢ ማሕለኻ እዚ እዩ፡፡ ነፃ ክንከውን ኣለና፡፡ ነፃነትና ክንእውጅ ኣለና፡፡ እቲ ካልእል ማሕለኻ ምብቓዕ (empowernment) ዝብሃል እዩ፡፡ እቲ መንእሰይ ብካልእ ዘይኾነስ ብባዕሉ እዩ ክበቅዕ ዘለዎ፡፡ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ፡፡ ዓርሰ-ምብቓዕ (self-empowernment)ከካይድ ኣለዎ፡፡ እዚ እንተኾይኑ ኣብ ቅድመይ ዝዕንቕፈኒ ሓይሊ የለን፣ እንተሃልዩ እውን ክሰግሮ እየ፤ ባዕለይ ዝቀርፃ ዓዲ ወይ ከይዲ ህንፀት ኣላ ኢሉ ዝኣምን መንእሰይ፤ ዓርሰ-ምትእምማን ዘለዎ ማለት እዩ፡፡ ካብዚ ወፃእ ከምዚ እኮ ገይሮምና፣ ኣባሪሮምና እኮ፣ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን እንዳበለ ዘመኽኒ ሓይሊ እንተኾይኑ ዝመኸነ መንእሰይ እዩ፡፡ ካብኡ እቲ ቢሮክራሲ ብኣሰራርሓ ቁልጡፍ፣ ብቕንዕና ልዑል ክኾን ኣለዎ፡፡ ብርግፅ እዚ ኣብ ብልሹው ኣእምሮ ወይ ድኽነት ኣብ ዝዓሰለሉ ኩነታት ሱቕ ኢልካ ትረኽቦ ኣይኮነን፡፡ ግን ልኡኽ ዘለዎ ሓይሊ ኣብዚ ሕቱኽቱኽ ኣይኣቱን፡፡ መስዋእቲ ክኸፍል እውን ድልው እዩ፡፡ ሲቪክ ማሕበራት እውን ሱቕ ኢለን ዝምስረታ ኣይኮናን፡፡ ነፃ ሰብ እዩ ዝፈጥረን፡፡ ኣብ ዘርኢ፣ ብሄር ተመስሪቱ ዝሓስብ ወይ ዓርሰ-ምትእምማን ዘይብሉ ሰብ ሲቪክ ማሕበራት ክምስርት ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ከምዚ ክገብሩኒ፣ ክኣስሩኒ እዮም እንዳበለ ዝሓስብ ሲቪክ ማሕበራት ክምስርት ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ከይዲ ይሓትት እዩ ግና ነፃ ዝኾነ ሰብ የድሊ እዩ፡፡ ደፋር ዝኾነ፣ ቅኑዕን ውፍዩን ሰብ የድሊ እዩ።

ውራይና፦ ምናልባሽ እቲ መንእሰይ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ነጊርካና ኢኻ፡፡ ግና ምስ ናትካ ትምህርትን ልምድን ተታሓሒዙ ኣብ ዝግበር ምንቕስቃስ ልምዓት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ትግራይ ካብ ምምካር ዘሊሉ ብተግባር እውን ክትሳተፍ ተስፋ ይገብር፡፡ እዚ ቃለምሕተት ካብቶም ኣዝየ ዝተሓጎስኩሉ ቃለምሕትት እዩ፡፡ ካብዚ ቃለመሕትት ወፃኢ ግና መፅሄት ውራይና ኣብ ህይወት ሰባት ለውጢ ክመፅእ እዩ እቲ ዕላማኣ፡፡ ሓሳባት ተላዒሎም፣ ናብ ጭቡጥ ለውጢ ንኽቕየሩ እዩ፡፡ ሓበሬታ ጥራይ ትህብ መፅሄት ኣይኮነን፡፡ ትግራይ ማእከል ገይሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሓሳባት ዘለዎም ሰባት ኣበርክቶ ንኽገብሩ እዩ፡፡ ነዚ ተረዲእካ ቃለመሕተት ስለዝሃብካና ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ምስ ሓላፍነትካ ዘይኸድ ትሕትና እውን ስለ ዘርአኻኒ ኣዕርየ የመስግን። ኣብ መፃኢ እውን ክንራኸብ ተስፋ ይገብር፡፡ ብዝተረፈ ኣብ መንእሰያት፣ ፍልጠት ወይ ሳይንስ ዘየልዓልናዮ ነጥቢ እንተሃልዩ ዕድል ክህበካ? እንተዘይኮይኑ ብጣዕሚ የመስግን፡፡ 

ሜ/ጀነራል  ተኽለብርሃን (ዶ/ር)፦ ውራይና ከም ሓደ ትውፊትን ቋንቋን ትግሪኛ ናብ ዕዳጋ ከተውፅእ ትፍትን ዘላ መድረኽ እያ፡፡ ወይን ኣላ እያ፡፡ ቅድሚኡ እውን ኣብቲ ዕጥቓዊ ቃልዊ ዝፀሓፉ ፅሑፋት ነይሮም እዮም፡፡ እዚ ብትግርኛ ዝፍጠር መድረኽ ኣካል መቀፀልታ ናይቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ አዩ፡፡ ደሓር ኩሎም ዓይነት ኣታሓሳስባታት ኣቕሪብካ ዘተ ንኽፍጠር እዩ፡፡ ብተወሳኺ ባህልና እውን ንኽመሓያየሽ፣ እዚ ናይ ፀላኢ እዚ ናይ ወገን እዩ ብዝብል ዘይኮነስ ኣብ ሓሳብ መድረኽ ምፍጣር እዩ፡፡ ሓሳብ ብሓሳብ ብምግጫው ዝሓሸ ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ ዝኸደሉ ኣብ ምምፃእ እውን ናይ ባዕሉ ተራ ኣለዎ፡፡ ክበረታታዕ ኣለዎ፡፡ ማእከል ዕዳጋ እውን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነፃ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ዝተለመደ ኣሎ ሓደ ወገን ንሓደ ወገን ምጥልላፍ፡፡ ስለዚ ፋይናንሳዊ ነፃነቱ ሓልዩ ክኸይድ ኣለዎ ውራይና፡፡ ነቲ መንእሰይ ናይ መቃለሲ መድረኽ፣ ተሞክሮ ዝቀስመሉ መድረኽ ኮይና ከተገልግል ትፍትን ስለዘላ ዝበረታታዕ እዩ፡፡ እዚ ሓደ ኣበርክቶ እዩ፡፡ ብቐፃሊ ሚድያ እውን ብደንቢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ንኽገብር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡

ካልእ ግን ኣብ ልዑል ቴክኖሎጂ (high-tech) ክንሰርት ኣለና፡፡ ዋሕስና እሱ እዩ፡፡ ክንዘልል ዝገብረና እሱ እዩ፡፡ ምህርቲ ሕርሻ ንኽውስኽ፣ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ ንኽፍጠር፣ ኣብ ዓለም ዕዳጋ ዝወዳደር ምህርቲ ንኽህልወካ ቴክኖሎጂ ክትጥቀም ኣለካ፡፡ ልዑል ቴክኖሎጂ ክብል ከለኹ ውስብስብ ነገር ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ፡፡ ንኣብነት ዓይነት መሬት ዝምልከት ምሩፅ ዘርኢ ክትጥቀም እንተኾይንካ እቲ መሬት እንታይ ዓይነት መሬት እዩ? እንታይ ዓይነት ጠሊ ኣለዎ? እንታይ ዓይነት ኬሚካላት እዮም ዘድሊይዎ? ክትፈልጥ እንተኾይና ብልዑል ቴክኖሎጂ ተጠቂምካ እዩ ዝፍለ፡፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ስቕ ኢልካ ዝኾነ ኣይድርበይን፣ ክትፈልጥ ኣለካ፡፡ ብርግፅ እቶም ምሩፃት ዘርኢ ዝብሃሉ ብባዮ-ቴክኖሎጂ ተዳቂሎም እዮም ኣብ ዓለም ዕዳጋ እውን ተወዳዳሪ ዝኾኑ ዘለዉ፡፡ ካብኡ ወፃኢ ግና ናይቲ ዘራእቲ ጥዕና ክሕሎ ናይ ጠሊ መጠን ቁፅፅር ክግበረሉ፣ ፅሬት ክሕሎ እውን ልዑል ቴክኖሎጂ የድሊ፡፡ ካብኡ ቀፂሉ እውን ምስ ዓለም ዕዳጋ ክትለዋወጥ እንተኾይንካ እውን ልዑል ቴክኖሎጂ ክትጥቀም ኣለካ፡፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ቴክኖሎጂ የድሊ እዩ፡፡ ሕዚ እዚኦም ገለ ገሊኦም ዝተጀመሩ ምልክታት ኣለዉ፡፡ ኣብ ራያ ንኣብነት ዝተጀመረ ልዑል ቴክኖሎጂ ዝጥቀም ሕርሻ ኣሎ፡፡ እዚኦም በደረጃ ትግራይ ይኹን ብደረጃ ኢትዮጵያ ክስፋሕፉሑ ኣለዎም፡፡ እዚ ኢንፎርሜሽን ማለት እዩ፡፡ ሕዚ ካልኦት ዓለማት ስታንዳርድ እዮም ዘቐምጡ፣ በቲ ስታንዳርድ መሰረት ዝፈረየ ምዃኑ ዘረጋግፅ ከይዲ ስራሕ እዮም ዘለዎም፡፡

ካብኡ ወፃኢ ኣብ ካልኦት እውን ክንነጥፍ ኣለና፡፡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ብኤሌክትሮኒክስ፣ ብሶፍትዌር፣ ብኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ፣ ብኣገልግሎት ስታርት ኣፕ የድልየና እዩ፡፡ እቲ ስርዓት ኣሰራራሓና እውን ክቕየር ኣለዎ፡፡ ፅሩይ ሓበሬታ ክትረክብ ኣለካ፡፡ ሕዚ ስትራተጂ ወይ መደብ ከተውፅእ ዓብይ ሕማም ዘሎ ፅሩይ ሓበሬታ ዘይምህላው እዩ፡፡ ክንደይ መሬት እዩ ብመስኖ ተሸፊኑ ዘሎ? ሕዚ ናይ ሓሶት መረዳእታ ዝመፅእ እንተኾይኑ ክስራሕ ኣይካኣልን፡፡ መስኖ ኣብ ትግራይ ሕዚ ኣበይ ክንደይ ንዝብል ሕቶ፣ ብስእሊ ኤራል ጂኦግራፊ ወይ ብምስሊ ሳትላይት ክትፈልጠን ትኽእል ኢኻ፡፡ እንዳዘርካ ምርኣይ ግድን ኣይኮነን፡፡ ዋላ ሕማማት ናይ ሕርሻ ክመፅእ እንተኾይኑ ንዝመፅእ ነገር ብቴክኖሎጂ ክፍለጥ ይኽእል እዩ፡፡ ብስእሊ ኤራል ጂኦግራፊ ወይ ብምስሊ ሳትላይት ቴክኖሎጂ ተጠቂምካ ስእሊ ኣልዒልካ ተንቲንካ ጠሊ ናይቲ መሬት፣ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ዓይነት ሕማም ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ፡፡ ስለዚ ሕርሻ ጥራይ ተወሲድካ ብምልኡ ልዑል ቴክኖሎጂ እዩ ዝጥቀም፡፡ ኣብቲ ምምሕዳር እውን ትኽክለኛ ሓበሬታ ክትመፅእ ኣለዋ፣ ትኽክለኛ ሓበሬታ ድማ ሰባት እንዳለክዑ ገለ መለ እንዳገበሩ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ትኽክለኛ ሓበሬታ ካብታ ቦታ ክትመፅእ እንተኾይና ልዑል ቴክኖሎጂ ክትጥቀም ኣለካ፡፡ ሕዚ ድሮን ንኣብነት እዞም ደረፍቲ እኳ ከይተረፉ ትጥቀምሉ ኣለዉ፡፡ እቲ ቀደም ዝነበረ ዓበይቲ ቪድዮ ሒዝካ ምቅራፅ ይተርፍ ኣሎ፡፡ ሕዚ ድሮን ፅቡቅ ፅሬቱ ዝሓለወ ፅሩይ ግልጋሎት ይህቦም ኣሎ፡፡ ንምንታይ ንማዓድን፣ ንሕርሻ ወይ ንኻልኦት ዓይነት ንጥፈታት ማኑፋክቸሪንግ ዘይውዕል፡፡ ፅሩይ ሓበሬታ ወሳኒ፣ መሰረት እዩ፡፡ብዝኾነ ልዑል ቴክኖሎጂ ክንጥቀም ኣለና፣ ነዚ ክንጥቀም ድማ ፊዚክስን ማትስን ከም መፍትሒ ሽግር ክኸውን ኣለዎ፡፡ ስቕ ኢሉ ንምንባብ ክኸወን የብሉን፡፡ ብሒሳብ ብፊዚክስ ዝሓስብ በዚኦም ሽግር ዝፈትሕ ክህሉ ኣለዎ፡፡ እዚኦም ብጣዕሚ ወሰንቲ እዮም፡፡ ስርዓት ትምህርቲ እውን ክቕየር ኣለዎ፡፡ ነዚኦም ዝፀውር ክኸውን ኣለዎ፡፡ ስለዚ እቲ መንእሰይ ዕድል ዕዳጋ ኣለዎ፡፡ ምቹው ኩነታት ብመንግስቲ ክፍጠር ኣለዎ፣ ባዕሉ ተቃሊሱ እውን ምቹው ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ፡፡ ቴክኖሎጂ ግን ናይ ዘላቒ ህይወትና መሰረት እዩ፡፡ ብኡ ኢና ክንወዳደር ንኽእል፡፡

ውራይና፦ የቐንየለይ፡፡ ንዝሃብካና ኩለ መዳያዊ ትንተና ብሽም መንበብቲ የመስግን።

*********

Guest Author

more recommended stories