ፋብሪካ ቆርበት ሸባ ናብ ኣሜሪካ ሰደድ ምግባር ጀሚሩ

​(ድምጺ ወያነ ትግራይ)

እዚ ምስ ኤም ሎንዶን ዝተብሃለ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ኩባንያ ቆርበት ዝተገበረ  ስምምዕነት ኣብዚ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ውሽጢ ካብ 6 ክሳብ 10 ሽሕ ጣጥኡ ዝወደአ ሳንጣ ሰደድ ብምግባር ስርሑ ክጅምር እዩ።

በዚ ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክርከብ እዩ እውን ተባሂሉ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ድኤታ ንግድን ኢንዳስትርን ኢትዮጵያ   ዶክተር መብራህቱ መለስ ከምዝበልዎ እዚ ስራሕ እዚ ኣብ ኢንቨስትመት እዛ ሃገር ታሪኻዊ እዩ።

Photo - State Minister Mebrahtu Meles at Sheba Leather
Photo – State Minister Mebrahtu Meles at Sheba Leather

ፈፃሚት ስራሕ ትእምት ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ብወገነን ብኢንዳስትሪ ቆርበት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳራይ ምዃን ልዑል ስራሕ ከምዝዝሓትት ዝፍለጥ እዩ፤ እዚ ብትረት ወፂእና ድማ ምስ ዓበይቲ ትካላት ምስራሕ ጀሚርና ኣለና ኢለን።

ወናኒ ኤም ሎንደን ሚስተር ማይክል ኣብ ትግራይ ሸባ ቆርበት ፋብሪካ ተረኺቦም እቲ ስምምዕነት እንተካይዱ ከምዝበልዎ ንግዚኡ ብዝጅመር ካብ 6 ክሳብ 10 ሽሕ ዝግመት ጣጥኡ ዝወደአ ሳንጣ ኣብ ትልሚ 5 ዓመት  ክሳብ 1 ሚልዮን ቦርሳ ብዓመት እናዓደገ  ዓመታዊ 25 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክነእትው ኢና ኢሎም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ዮሃንስ ካሳሁን ከምዝበልዎ እቲ ዝተብሃለ ስራሕ ዕውት ክኸውን ዓመታዊ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ከፍቲ ከምዘድልያ ገሊፆም።

ነዚ እውን ሕዚ ዘለዋ 25 ኣቕረብቲ ማሕበራት ብዕፅፊ ክውስኻ እየን ኢሎም።

*********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories