መለስ ዜናዊ ኣንፃር ፎኮይዝም

(ስብሓት ገ/እግዚኣብሄር)

መሰረታዊ ለውጢ ሕብረተሰብ ዝረጋገፅ ብንጡፍ ተሳትፎን ማዕበላዊ ሓይሊ ሓፋሽ ኣይኮነን። ብሱሉን ንፁርን ርእዮተ ዓለማውን ስነ-ሓሳባውን መስመራት ብኑን እዩ። ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን መንፈሳውን ትሕዝቶ ሕብረተሰብ ብዝግባእ ከይተንተኑ፣ ኣገዳስነት መሪሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ጐስዮም ብምሕ ላፍ ኣብ ውልቀ ተሳትፎ ይኣምኑ። ሓፋሽ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ክውደብ፣ ፖለቲካዊ ብስለቱ ክዓቢ ዘኽእል ስራሕ ኣይሰርሑን።

ማሕበረሰባዊ ለውጢ ምስፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝተጠናነገ ባህርያት ዝወነነ፣ ነቲ ቃልሲ ድማ ብትንታግ ሓዊ ወያነ ዝዕወት ምዃኑ ዝኻሓዱ እዮም።

እምበኣር ከስ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፍልስፍና ፎኮይዝም Focoism ተባሂሉ ይፅዋዕ።

እዚ ንምልዓል ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነና ድማ እቲ ውሩይ ወያናይ ዴሞክራት ሶሻል ሳይንቲስ መለስ ዜናዊ ነዚ ኣምር ኣምሪሩ በቲ ዘይነፅፍ ብርዑ ተቓሊስዎ።

ዝኾነ ዓይነት ማሕ በራዊ፣ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጢ ዝረጋገፅ ናይ ሓፋሽ ሓቀኛን ርት ዓውን ክታም እንትዓርፎ እዩ።

ሱታፌ ህዝቢ ዘይብሉ ወያነ ፍፁም ክዕወት ከምዘ ይኽእል ብግብራዊ እማኝ ተንቲኑ፣ ፅሒፉን ሞጒቱን እዩ።

ንነብ ስኻ ኣብ ዘይግባእ ናሕሲ ኣቐሚጥካ፣ ንፁር መስመራትን እም ነትን ከይሓዝካዝመፅእ ለውጢ የለን።

ኩሎም ቃልስታት ሓፋሽ ከዕስሉ፣ ንሓቀኛ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍትሕን እንትቃለሱ ኩሉ ይሰምር።

ዘጋጥሙ ፀገማትን ማእለ ማታትን ድማ ብቀላፅም ሓፋሽ ሓመድ ድበይኣቱ። ህዝቢ ሰረት ዘለኣለማዊ ለውጥን ሓይልን እዩ።

ንፍትሕን ሓርነትን ምዕባለን ለውጥን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንቕድሚት ዝእንፍቱ ገስገስቲ ሓሳባት ብመሪሕ ውድብ እናተመርሑ ናብቲ ዘይተ ርፍ ናሕሲ ምዕባለ ይበፅሑ።

እዚ ሓቂ ድማ ካብ ዜና መወእል ገድሊ ዝተመሃርናዮ፣ በዲያሌቲካል መስመርና ተነፍዩ፣ ነፂሩ ዝወፀ ኣስተምህሮታት ስሙይ መራሒና መለስ ዜናዊ እዩ።

ሕዚ እውን ብቐፃልነት power to the people ወናኒ ስልጣን ህዝቢ እዩ፤ ዝብል እምነት፣ ማሕበራ ውን ፖለቲካውን ፍልስፍናታት መለስ ዜናዊ ናብ ሓፋሽ ክሰርፁ ከቢድ ፃዕሪ የድሊ።

ኣብዝተፈላለዩ ፀፍሒ ዝርከቡ ካድረታት በብእዋኑ ነዚ ዶክትሪን ክሰፍሑን ክዕቅቡን ድማ ዚያዳ ሓላፍነት ኣለዎም።

********

Guest Author

more recommended stories