ኣብ መንገዲ ህዳሰና ዝተዘርኡ መሐንከላት ብምግላህ ናህሪ ልምዓትና ናብ ንቡር ቦትኡ ንምለስ

(ህዳሰ ኢትዮጵያ)

1/ መእተዊ

ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ሃገሩ ስልጡንን ዘመናዊ መንግስቲ ዝወነነ ህዝቢ ከምዝነበረ፣ ከምኡውን ክሳብ ቀረባ እዋን (ክሳብ እዋን ኣፄ ሚኒሊክውን) ካብ ኢትዮጵያ ትግራይን ሸዋን እተን ዝሃፍተማ ዝበሃላ ክፋላት ሃገርና ከምዝነበራ ናይ ታሪክ መዛግብቲ ይሕብሩ (ነጋድረስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ስራዎች)፡፡ ይኹንእምበር ብስሱዕ ዘይዓግብ ሾሃት ገዛእቱ ብድሕረትን ድኽነትን ሰንሰን ክብልን፣ ኣብ ጫፍ ስልጣነ ዓለምና ከምዘይነበረ ናብ ጫፍ ድሕረትን ድኽነትን ክፅንበር ገይሮምዎ እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ካብ ስርዓት ምልሊኽ ጀሚሩ እናተባረዩ ዝገዝእዎ ስርዓት ትምክሕቲ፣ ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ከየቕንዕ ንምእማኑ ብዘፀግም ኣስካሕካሒ ዝኾነ ወፅዓ ኣብ ልዕሊኡ ዳዕኒኖም ናይ ስልጣነ በዓልዋና ዝነበረ ህዝቢ ዘይ ሽሙ እናሃብዎ መፂኦም እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብልዕሊኡ ዝበፅሕ ዝነበረ ወፅዓ ንፃት’ውን እንተኾነ ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ ህዝቢ ኣይነበረን፡፡ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ብሓባርን ብተናፀልን ንዘመናት እናተቓለሰ ዝመፀ ህዝቢ እዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለፁ ተቋውሞን ዓመፃትን እናገበረ መፂኡ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ተቋውሞ ካብ ዘልዓለሎም ተጓንፎታት ሓደ፣ ምሒር ወፅዓ ዝቐስቀሶን ናብ ዓዎት በፂሑ ዝነበረን ዓመፅ ህዝቢ ትግራይ “ቀዳማይ ወያነ” ምጥቃስ ይከኣል፡፡ እዚ ምልዕዓል ዳርጋ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ዘነቓነቐ ዝነበረ እንተኾነውን ግን ሰኣን ብቑዕ ውዳበ፣ ኣመራርሓን መስመርን ብቐሊሉ ክጭፍለቕ ኪኢሉ እዩ፡፡

ድሕሪ እዚ ነይሩ ናይ ሃገርና ሓረስታይ፣ ሙሁር፣ ሸቃላይን ናይ ከተማ ነባራይን “መሬት ንሓራሲኡ፣ ዴሞክራሲያዊ መሰላት ይከበሩ፣ ህዝባዊ መንግስቲ ይመስረት ወዘተ” ዝብሉ መሪሕ ጭርሖታት ሒዙ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1966 ዓ.ም ብዝወለዖ ህዝባዊ ዓመፅ፣ ንዘውዳዊ ስርዓት ኣብ ምውጋድ ዕውት እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መወዳእታ ሸቶኡ እንተይበፅሐ ግን ብደርጊ ብቐሊሉ ክጭወ ኪኢሉ እዩ፡፡ እዚ ኩነታት ዝፈጠሮ ሕራነን ምልዕዓልን ብርክት ዝበላ ብሄራዊን ሕብረ-ብሄራዊን ገስሀስቲ ኢና ዝብላ ውድባት ተፈጢረን እየን፡፡ እዘን ውድባት እዚኤን ኣብቲ ሽዑ እዋን ከከም ፅልዋአን ኣብ ጎነን ህዝቢ ኣሰሊፈን ቃልሲ ጀሚረን ዝነበራ እንትኾና፣ ህዝቢ ትግራይውን ኣብ ገሊኤን ገስገስቲ ኢና ዝብላ ውድባት ደቁ ኣሰሊፉ፣ ነተን ውድባት ካብ ደርጊ ተኸላኺሉ፣ እቲ ቃልሲ ብፀገም ከይኹለፍ ቀሊቡን ሓብሒቡን ተኸናኺኑን ደጊፉ እዩ፡፡

2/ ምንቅስቓስ ገስገስትን መድሐርሐርትን ውድባት ኣብ ትግራይ

ኣብ ሃገርና ንዘመናት ናይ ጭቆና መሓውር ዘርጊሑ ንህዝቢ ዝገዝእ ዝነበረ ፀረ ህዝቢ ዘውዳዊን ፊውዳላዊን ናይ ትምክሕቲ ስርዓት ብምቅዋም፣ ህዝባዊ መንግስቲ ይመስረት መሬት ንሓራሲኡ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ብናይ ህዝቢ ዓመፅ ምስተነቓነቐ ኢሉውን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምስተሰባበረ፤ ኣብ ኢትዮጵያ መንበረ ስልጣን ዝተቆፃፀረ ጊዝያዊ ወታደራዊ ደርግ እዩ ነይሩ፡፡ ደርግ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ጊዝያዊ መንግስቲ ንሓፂር ጊዜ እዩ ብዝብል መደናገሪን ናይ ሓሶት ቃል ሒዙ ብምምፅኡ፤ ኣብዝሓ ህዝቢ ኣብ ሓፂር እዋን ህዝባዊ መንግስቲ ክምስረት እዩ ኢሉ ተስፍዩ ነይሩ፡፡ ግን ከምቲ ህዝቢ ዝተፀበዮን ዝተስፈዮን ዘይኮነስ ደርጊ ኩለን ናይ ዴሞክራሲ መሰላት ብምዕፋን ብዘይ ተቐናቓኒ በትረ ስልጣን ምስሓዘ መሬት ዓሪባቶ እያ፡፡ ደርጊ መጀመሪያ ስልጣን ዝሓዘላ ዕለት ብሽም ኢትዮጵያ ትቅደም ኩለን ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ብኣዋጅ ምስዓፀወን ገስገስቲ ሓይሊታት (Revolutionary Forces) ህዝባዊ ዕላማ ሒዞም እንትለዓሉ፣ መድሓርሓርቲ ሓይሊታት (Reactionary Forces) ድማ ዝሰኣንዎ ስልጣን ዳግም ንምምንጣል ተለዓዒሎም እዮም፡፡

2.1 ምልዕዓል ገስገስቲ ሓይሊታት (Revolutionary Forces)

ደርጊ ኩለን ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን መቃለሲ መንገድታት ብቕላዕ ኣዋጅ ምስዓፀወን ገስገስቲ ሓይሊታት ትግራይ ብቐጥታ ብዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መቓብር ደርጊ ዝተዓፀዉ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን መቃለሲ መንገዲታት ክንከፍቶም ኢና ብዝብል ናብ በረኻታት ትግራይ ወፂኦም፡፡ ካብዚኦም ሓደ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ወይከዓ “ተሓሕት” እያ፡፡ ተሓሕት ብዝተወደቡ 26 ውፉያት ደቂ ህዝቢ ጀሚራ ናይ ስራሕ መቖሎ ብምግባር ካብዚኦም 11 ናብ በረኻ ደደቢት ኣትዮም ሽግ ህዝባዊ ቃልሲ ብምውላዕ ከበስሩ፣ 9 ኣባላት ናብ ኤርትራ ከይዶም ወታደራዊ ስልጠና ክወስዱ፣ 6 ኣባላት ድማ ኣብ ከተማታት ትግራይ ኮይኖም ናይ ከተማ ስርዒት ክመርሑ ብምግባር እቲ ቃልሲ እንትጅምሩ፣ ሙሉእ ሂይወቶም ንህዝቦምን ዓዶምን መስዋእቲ ንምዃን ብምውሳን እዮም ነዚ ቃልሲ ናብ ዓዎት ከብፅሕዎ ዝኸኣሉ፡፡

ኣብቲ እዋን፣ መንግስቲ ዝኣክል ምስ ኣሻሓት ሹሾ ሰራዊቱ፣ ምስ ዘመናዊ ናይ ምድርን ናይ ሰማይን ኣፅዋር ዝወነነ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ወታደራዊ ዓቕሚ፣ ሰፊሕ ናይ ደገ ሓገዛት ዝረክብ መንግስቲ፣ ዝተወደበን ጠንካራ ወታደራዊ ስርዓትን ትካላዊ ቁመና ምስ ዘለዎ ጨካንን ፀረ ህዝቢን ስርዓት፣ ዘየቋርፅ ዕጥቅን ስንቅን ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ሰፊሕ ናይ ትራንስፖርት ቀረብ ዘለዎ መንግስቲ፤ ኮታስ ምስ ክንድግዛዕ ዝኸውን ስርዓት፤ 26 ሰብ ኮይንካ ኣብ ዝተናወሐ ህዝባዊ ቃልሲ ብምውላዕ ንምውዳቕ/ንምድምሳስ ኢልካ ምሕሳብ ናይ ጥዑይ Normal ሰብ ሓሳብ እዩ ኢልካ ንምውሳድ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ፡፡

እዚ እንትበሃል ግን ጠቕላላ ዘይሕሰብ ነይሩ ማለት ኣይኮነን ብዙሓት ሓሲቦም ሂዎቶም መስዋእቲ ገይሮም ተንቀሳቒሶም ግን ሰኣን ብቑዕ ኣመራርሓ፣ ሰኣን ትኽክለኛ ህዝባዊ ዕላማን መስመርን ንዓዎት ኣይበፅሑን፡፡ መብዛሕቶም እቲ ቃልሲ ዝጠልቦ መስዋእቲ ብዝግባእ ስለዘይፈለጥዎ ወይ ኣነፂሮም ተረዲኦም ስለዘይኣተውዎ ኣብ መንገዲ ተንጠባጢቦም ተሪፎም እዮም፡፡ ንኣብነት ኢህኣፓ እንተወሲድና “እዚ ዝኣክል ክንዲ ግዛዕ ስርዓት ፊት ንፊት ገጢምካ ምስዓር ማለት ምስ ኮኽሒ ምልታም ማለት እዩ” ብምባል እቲ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ካብ ህዝቢ ተነፂልካ ብናይ ስተወሰኑ ተቓለስቲ ገስገስቲ ሓይሊታት ኣብ ከተማን ኣብ ቢሮክራሲያዊ መሓውር ክሕፀርን ናብ ውሽጢ ስርዓት ኣቲኻ ወይ ሰበ ስልጣን ሰሪዕካ ብቶንኮላት ብምፍሓስን ብቅንፀላታት ብምዕጃብን እቲ ስርዓት ከምዘሎ ምውናንን ምቕያርን ይከኣል ብዝብል ጉጉይ ስልቲ ስለተጠቐሙ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መንእሰይ ብቐይሕ ራዕዲ ክሃልቕ ተገይሩ እዩ፡፡ ካብቲ ህልቂት ንላዕሊ ድማ ናይቲ ህዝብን መንእሰይን ናይ ቃልሲ ወነ ክስለብ ምግባሩ ዕድመ ደርጊ ኣብ ምንዋሕ ናይባዕሉ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ፡፡

2.2 ምልዕዓል መድሓርሓርቲ ሓይሊታት (Reactionary Forces)

ብኻሊእ መዳይ ድማ ናይ መድሐርሐርቲ ሓይሊታት ምንቅስቓስውን ነይሩ እዩ፡፡ ኣብነት ኢድዩ እንተሪኢና ንምእማን ዘፀግም ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝተዓጠቐ ሰራዊት ኣሰሊፉ ኣብ ሱዳን ግቡእ ምድላው ብምግባር ብትግራይ ኣቢሉ ብምእታው ትግራይ ፀራሪጉ እናጠሓሓሰ ሰራዊት እናስፈሐን እናዕጠቐን ንማእኸል ሃገር ብምስፋሕ ኣብ ሓፂር እዋን ንደርጊ ብምድምሳስ ስልጣኑ ዳግም ንምቁፅፃር ዓሊሙ ምንቅስቓስ ገይሩ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ቀንዲ ዕላምኡ ስልጣን ብምቁፅፃር እቲ ኣብ መሬት ናብ መሳፍንቲ ንምምላስን ኣብ ህዝቢ ዘስዕብዎ ዝነበሩ ወፅዓታት ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ብምንባሩን፤ ኣካይድኡ’ውን ዘዝረኸብካዮ ናይ ህዝብ ዝርካቡ ጥሪት እናወረረ፣ እናጥፈአ፣ ኣንሽቲ ኣቕሽቲ ከይተረፈ ኣብ ቅድሚኡ ዝፀንሓ ኣዴታት ሰብሓዳር እናደፈረን እናተጋሰሰን ብምምፅኡ፤ ኢዱ ዝኣተወላ ቁሸት ወይ ጣብያ ልክዕ ኣንበጣ ከምዝኣተዋ ብሓደ ጊዜ ዝበርሰሉ ኩነታት ብምፍጣሩ፣ እዚ ብኣሻሓት ዝቑፀር ሹሾ ሰራዊት ምስ ብጣዕሚ ዉሑዳትን ውፍያት ደቂ ህዝቢ ተጋደልቲ ህወሓት ገጢሙ ኣብ ሓፂር እዋን ክድምሰስ ኪኢሉ እዩ፡፡

 Photo - 40th Anniversary of the Tigrayan People's Liberation Front (TPLF)- Mekelle (Ethiopia), February 2015
Photo – 40th Anniversary of Tigrayan People’s Liberation Front (TPLF)- Mekelle Ethiopia, February 2015

3 ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን

ተሓሕት ናይ ሎሚ ህወሓት ካብቶም ካብቶም ገስገስቲ ዝባሃሉ ሓይሊታት ብግንባር ቀደም ትጥቀስ ውድብ እያ፡፡ ተሓሕት/ህወሓት ትኽክለኛ ሰብ ራኢ መራሕቲ፣ ናይ ህዝቢ ወፅዓ ዝርደኦም፣ ናይ ህዝቢ ወፅዓ ከመይ ክውገድ ከምዘለዎን ዝጠልቦ ቃልሲን መስዋእትን ነፂሮም ብምፍላጥን ትኽክለኛ መስመር ብምሕንፃፅ ብዘይ ናይ ምልኣተ ህዝቢ ድጋፍን ተሳትፎን ዝዕወት ቃልሲ የለን ኢሎም ተሳትፎ ንምሕያል ጠንኪሮም ብምንቅስቃስ ነቲ ህዝቢ ናይቲ ቃልሲ በዓልዋና ብምግባር እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ዓዎት ኣብፂሖምዎ እዮም፡፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ህዝቢ ትግራይ ስልጡን ህዝቢ፣ ውፉይ ህዝቢ፣ ዘይናቱ ዘይደሊ ህዝቢ፣ ንሃገሩን ንህዝቡን ክብል ሂይወቱ ዘይስስዕ ህዝቢ፣ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን መምዩ ዝፈልጥን ብጊዝያዊ ረብሓታት ዘይታለል ናይ ነዊሕ እዋን ረብሕኡ ዘመዓዱ ዘኹርዕ ህዝቢ እዩ፡፡ ህዝቢትግራይ ዝደሊ ትኽክለኛ ዕላማን መስመርን እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንውድቡ ተሓሕት ህወሓት እንትድግፍ ብዓይነዕሙተይ ትግራወይቲ ውድብ ስለዝኾነት ኣይኮነን ደጊፉ ንዓዎት ዘብፀሓ፡፡ ወይ ድማ ትኽክለኛ ህዝባዊ ዕላማን መስመርን፣ ከምኡውን ሰናይ ትምኒት ንህዝባ ስለዘለዋ ጥራሕ ውን ኣይኮነን ንውድቡ ህወሓት ዝመረፀ፡፡ ወይከዓ ኣማራፂ ውድባት ስለዘይነበራ ውን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ተጋሩ ዝተሰለፉለን ውድባትውን ነይረን፣ ህዝባዊ ዕላ ዝተሓንገጣ ውድባትውን ነይረን፣ ኢትዮጵያን ህዝባን ክሓልፈላ፣ ክትለምዕ፣ ዴሞክራሲያዊን ህዝባዊን መንግስቲን ስርዓትን ክትውንን ዝደልዩን ዝምነዩን ሓይሊታትውን ኣተኣናጊዳ እያ ትግራይ፡፡ ካብ ተሓህት/ህወሓት ሰራዊት ብዓሰርተታት ዕፅፊ ሰራዊታት ዘሰለፉ ውድባትውን ነይሮም፡፡ እንተኾነ ግና “ተፅግበካያ ቅጫስ ካብ ሞጎጎኣ ትፍለጥ” ከምዝበሃል ገሊኤን ውድባት ብሽም ገስገስቲን ሕቶ ህዝብን ዝሽቅጣ፣ ህዝባዊ ውግንና ዘይብለን፣ ልዕሊ ህዝቢ ንዓና ኣኽብሩን ተንከባኸቡን ምባል ዝጀመራ እንትኾና ህዝቢ ትግራይ ብጋናአን ከይፀመዳ ዘንጎዳ ውድባት ክነፅገንን ኢሉውን ካብ ትግራይ ፀራሪጉ ከውፀአን ብምግባር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ህዝቢ ትግራይ ምስ ውድቡ ህወሓት ክፅንበር ኪኢሉ እዩ፡፡

3.1 ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ

ህወሓት ከመይ ድጋፍ ህዝቢ ክትረክብ ኪኢላ? ቡዙሕ ሰብ ብዙሕ ክብል ይኽእል፡፡ እቲ ቀንዲ ነገር ንምጥቃስ ዝኣክል ግን ምሽጥር ዓዎት ህወሓት እቲ ሓደ ትኽክለኛ ህዝባዊ ዕላማን መስመርን (ስትራቴጂ) ምሕንፃፅን እዚ ዓብዪ ስትራተጂካዊ መድረኽ ዝሰግሮም ንኡሳን መድረኻት ብምንፃር ከመይ ጌርካ ከምትሰግሮም ሜላታት (ታክቲካት) ብምሕንፃፅ ኣብ ክሊ እዚ ዓብዪ ስትራቴጂካዊ መድረኽ ዝህልዉ ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋ ነፂሩ ፈታዊን ፀላኢን ፈልዩ፣ ፈታዊ ወይከዓ ተጠቃማይ ሕብረተሰብ ኣብ ክሊ እዚ መስመር ክስለፍ ብምግባር ኣብ ስትራቴጂካዊ ፀላኢ ትኹረት ዝገበረ ቃልሲ ብምምራሓ እያ ህወሓት ተዓዊታ፡፡ ተጋደልቲ ህወሓት ምስ ህዝቦም ኮይኖም ህዝቢ እንትጠሚን እንትሽገርን እናጠመዩን እናተሸገሩን፣ እንትረኽቡ’ውን ካብ ዝርካባ ስንቆም፣ ኣብ ሕሱም እዋን’ውን ለሚኖም ንህዝቦም (ከም 1977 ዓ.ም. ዝበለ ክፉእ ዘመን) እናዐንገሉ ስለዝመፁ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መላእ ገጠር ትግራይ ክበሃል ዝኽእል ካብ ሸፋቱ ብምንጋፍ ህዝቢ ባዕሉ ብባዕሉ ክመሓደርን ናይ ፍትሒ ተቋዳሲ ክኾን ብምግባሮም፣ ህዝቢ እንትፅገም ቅድሚት ብምምፃእ በጃ ህዝቢ ስለዝፅገሙን መስዋእቲ ስለ ዝኸፍሉን፣ ንህዝቢ በቲ ትኽክለኛ መንገዲ ምኹካብ ዘይኮነትስ ባዕሎም ቅድሚት ቅድሚት እናተጉዓዙ ስለዝመርሑን ዝመፅእ ፀገምን መከራን’ውን ቅድሚ ህዝቦም ፊት እንትገጥሙን መስዋእቲ ስለዝኸፈሉን እዩ፡፡ 17 ዓመት ሙሉእ ኣንፃር ደርጊ ኣብ ዝተገበረ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ፀላኢ ዝግበር ግጥም እንተጋጥም’ውን ንህዝቢ ዘይኮኑ ዱፋዕ ዝገብሩስ ባዕሎም ዱፋዕ ህዝቢ ብምዃን ሂይወቶምን ኣካሎምን ንመስዋእቲ ብምቕራብ በጃ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለዝገበሩ እዩ ህዝቢ ትግራይ ንውዱቡ ህወሓት ከም ውላዱ ከም ዋልታኡ ገይሩ ዝሪኣ፡፡

ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ዝገበረቶ ቃልሲ ብረት ሒዛ ንፀላኢ ኣብ ምግጣም ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክወፅእ’ውን ንምግባር መሰረታዊ ለውጢታት ማለትውን ሓረስታይ ትግራይ ናይ መሬቱ በዓልዋና ክኾንን ናይ ፍርያቱ ብሕታዊ ተጠቃሚ ክኾን ዘኽእላ መሰላ ክረጋገፀሉን እዘን መሰላቱ ድማ ብዘላቒ ንክኽበራሉ ባዕሉ ብባዕሉ ንክመሓደር ስርዓት ፈጢራትሉ እያ፡፡ ጎናጎኒ ምስቲ ብረታዊ ቃልሲ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክወፅእ ንምግባር በቲ ሽዑ ዝነበረ ዓቕሚ ፊደል ቁፅርን ክቆፅር፣ ካብ መሰረታዊን ተላበድቲ ሕማማትን ብኣንፈት ምክልኻል ጥዕንኡ ክሕሉ፣ ተፈጥሮ ክከናኸን፣ ኣብ መሬቱ መፍረይነት ከዕቢ መሬቱ ክከናኸንን ባህላዊ ድኹዒ ብስፍሓት ክጥቀምን ሰፊሕ ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ ሰሪሓ እያ ህወሓት፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንመጀመሪያ ጊዜ ትኽክለኛ ፍትሓዊ፣ ኣድልዎ ዘይብሉ፣ ዴሞክራሲያዊ ምምሕዳር ክፍትንን ክለማመዶን ባህሉ ክገብሮን ዕድል ዝረኸበ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዓሲሎም ዝነበሩ ድሑራት ጎዳእቲ ባህልታት ከም ጥንቆላን ቆለታትን ኣብ ምቅላስን ከምዘይነበሩ ምግባርን ሰፋሕቲ ስራሕ ብምስራሕ ብህወሓት Cultural Revolution ተገይሩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኾንን፡፡ ምስእዚ ዝተሓሓዝ ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ኣንፃር ገዛእቱ ከይለዓል ብከባቢያዊነትን ፀቢብነትን ተኸፋፊሉ ነኒባዕሉ ክጣፋእ ዝገበርዎ ቶንኮል ብምቅላስ ዝነበሩ ናይ ፀቢብነትን ከባቢያዊነትን ኣተሓሳስባታት ብሰፊሕ ቃልሲ ክምከቱ ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ህዝቢ ዝነበሩ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ብሂላት “ሰማይ ኣይሕረስ ንጉስ ኣይኽሰስ” ብምጥሓስ ንዘጥፍኡ መራሕቱ ኣብ ኣደባባይ ሽንቅላጦም ክወፁ ምግባር ዘይዕረዩ ክውገዱ፣ ክዕረዩ ዝኽእሉ ድማ ነቒፉ ዕድል ዝህበሉ መሰላት ክለማመዶምን ባህሉ ክገብሮምን ዝገበረት ውድብ ስለዝኾነት እዩ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ክነፃፀሉ ዘይኽእሉ እዮም ዝበሃል፡፡

እቲ ዝገጥም ዝነበረ ተደጋጋሚ ድርቅን ጥሜትን ንምምካት ኣብ በረኻ ናይ ረዲኤት ትካል (ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ – ማረት) ብምጥያሽ ህዝቢ ካብ ብርሰት ንምክልኻል ተፃዒሩ፣ ክሳብ ሎሚ ማረት ኣብ ህዝቢ ተነዲቓ ትርከብ፡፡ ኮታስ ዓቕሚ ዝፈቐዶ መሰረታዊ ናይ መንግስታዊ ግልጋሎት ንምሃብ ምምጥጣር ነይሩ፡፡ ነዚ እዩ ህወሓት ብሕታዊት ካብ ህዝቢ ዝወፀትን ንህዝቢ ዝቆመት ተወዳዳሪ ዘይብላ ውድበይ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ዝወስዳ፡፡ እዚ ንምጥቃስ ዝኣክል እምበር ውድብ ዝገበረቶ ንምግላፅ ክንድቲ ዝፀንሐቶ ጊዜ ክውድእ ይኽእል፡፡

እዚ እንትበሃል ግን ካብ ለካቲት 11፣ 1967 ዓ.ም. ክሳብ ጉንበት 20፣ 1983 ዓ.ም. ህወሓት ዋላሓንቲ ውሽጣዊ ፀገም ዘየጋጠማ ውድብ፣ 100% ተጋደልታን ኣባላታን ፀፍ ጭልጥ ዝበሉ ኣሰር በሰር ዘይርከቦም ነይሮም ማለት ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ከም ውላዱ እንትሪኣ ከም ውድብ ፍፁም ፀገም ስለዘይነበራ፣ ተጋደልታን ኣባላታን’ውን ጥር ትብል ፀገም ስለዘይነበሮም ኣይኮነን መላእኽትን ናይ መላእኽትን ውድብ ስለዘይኮኑ፡፡ ህወሓት ከም ማንም ሰባት ዝፈጥርወን ውድባት ዘጋጥመን ፀገማት ወይ ዝፈጥረኦ ፀገማት ይገጥማ ነይሩ እዩ፡፡ ተጋደልትን ኣባላትን ህወሓት’ውን ከም ማንም ሰብ፣ ሰባት ነይሮም፡፡ እቲ ኣፈላላይ ህወሓት ዘጋጥሙ ፀገማት በቢእዋኑ ምስ ኣባላን ህዝባን ኮይና እሂን ምሂን ኢላ ብዘይ ንሕስያ እናገምገመት፣ እናነቐፈት ብልቢ ንምስትኽኻል እናሰርሐት ስለትመፅእ ዘጋጥሙ ፀገማት ከም ምግጣም እንተጋጥሙ’ውን ካሊእ ፀገም እንተይፈጠሩ ብእዋኑ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ስለዝነበራ እዩ፡፡

ኣብ ኣባላት ውድብን ተጋደልትን’ውን ከምቲ ተጋዳላይ ኣበበ ኣርኣያ ኣብ “እምበር ተጋዳላይ” ትብል ደርፉ ዝበሎ ኣባልን ተጋዳላይን ህወሓት ከም ማንም ሰብ ሰባት እዮም ነይሮም፣ እትጠሚ ጠሚ ከርሲ፣ እትፀምእ ጎሮሮ፣ እትደክም ብርኪ ዝነበሮን፣ ዘይትጋገ ኣእምሮ ዘይነበሮ ሰብ ነይሩ፡፡ ግን ድማ ማንም ሰብ ክፃወሮ ዘይኽእል ጥሜት፣ ፅምኢ፣ ድኻም ተፃዊሮም፤ ካብ ማንም ንላዕሊ ጌጋ ከየጋጥም ዝፅዕሩን እንተጋጥም ድማ ቀልጢፎም ብልቢ ዓርሰ ነቐፌታ ብምግባርን ብምእራም ናብቲ ትኽክለኛ ቦትኡ ናይ ምምላስ ባህሊ ስለዝነበረ እዩ ውድብ፣ ተጋዳላይን ኣባልን ህወሓት ናይ ህዝቢ ፍቕርን ሓሌትን ዘይተፈለዮም፡፡

ከም ውድብ ህወሓት ብዙሓት ብድሆታትን ንሃለዋታ ዘስግኡ ዓበይቲ ፈተናታት ገጢሞምዋ ነይሮም እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ሕንፍሽፍሽን ኣብ እዋን ቀዳማይ ተሃድሶን ከምኡውን ኣብ 1977 ዓ.ም. ኣብ ህዝቢ ትግራይ ገጢሙ ዝነበረ ድርቂ ዝጥቀሱ እዮም፡፡ እዞም ፈተናታት እዚኦም ገሊኦም ኣብ ኣባላትን ኣመራርሓን ውሽጢ እናዓምበቡ ዝመፁ ናይ ኣተሓሳስባ ፀገማት፣ ገሊኦም በቢእዋኑ እናተኸታተልካ ኣብ ናይ ውድብ ናይ መስመር ምፅፋፍን ምጉልባትን ስራሕቲ እናተዳኸሙ ምምፃእን ውሽጠ ውድብ ዴሞክራሲ ምድኻምን ዝፈጥሮም እንትኾኑ ገሊኦም ድማ ዝግበሩ ቃልሲታት ክንድቲ ዝድለ ብዘይምጉህሃሮምን ዝድለ ለውጢ ብዘይምምፀኦምን ብተፈጥሮ ምዝባዕ ብቐሊሉ ዝፍጠሩ ፀገማት ኢልካ ክቕመጡ ዝኽእሉ እዮም፡፡

ኣብ ገለ ገለ ኣባላት ህወሓት እምነታትን ዕላማን ውድቦም ብደንቢ ብዘይ ምጭባጥን እምነታቶም ብምሽርሻርን ሓደጋታት የንፀላልዉ ዝነበሩ እንተኾነውን ብርሱን ውሽጠ-ዴሞክራሲ ቃልሲ ብእዋኑ ብምፍታሕ ሓደጋ ቅድሚ ምብፃሑ ይምከቱ ነይሮም፡፡ ንኣብነት ኣብቲ መጀመሪያ ኣብ ውድም ምጥያሽን ምጥንኻርን እዋን ኣብ በረኻ ደደቢት ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ እንትንርኢ ገለ ገለ ውሱናት ተጋደልቲ ህዝባዊ እምነቶም ብምሽርሻሩ ዝነበረ ፅምኢ፣ ጥምየትን ድኻምን ምፅዋር እንትኣብዮም፣ ቅድሚ ነብስኻ ንህዝብኻ ዝብል ክብሪ Value ውድቦም ክብድብድ ዝበሎም ተጋደልቲ፣ ብጀካ ንስሑልን መለስን ገዲፍካ ንካልኦት ኣመራርሓ ኩሎም ብምቕንፃል ንውድብ ናብ ክራይ ኣካቢን ናብ ናይ ሽፍታ ውድብ ንምቅያር ተንኮል ፊሒሶም ብሕቡእ እንትንቀሳቐሱ፣ ብዴሞክራሲያዊ ቃልሲ ተኣልዩ ውድብ ድማ ተጠናኺራ ወፂኣ እያ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ፀላእቲ ምንቅስቓስ’ውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይነበረን፡፡ ፀላእቲ ካብቲ ስሩዕ ፊት ንፊት ግጥም ብተወሳኺ ኩነታት ውድብ እናተኸታተሉ ንህወሓት ሽማን ዘይሽማን ብምሃብ ከፀልምዋ ሰፊሕ ፃዕሪታት ይገብሩ ነይሮም፡፡ ሰለልትን ጃሱሳትን ብምውፋር ኣብ ውሽጢ ውድብ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩን መራሕቲ ውድብ እናፈለዩ ክቕንፅሉን፣ ዝግበሩ ኣኼባታትን ኮንፈረንሳትን ንፀላኢ ብምጥቋም ብነፈርቲ ንምድብዳብን ውድብ ንምድኻምን ንምጥፋእን፣ ብሓፂሩ እንታይ እሞ ዘይተገበረ ነገር ኣሎ፤ ኩሉ ፀላእቲ ህወሓት ንምድኻም ክገብርዎ ዝኽሉ ነገር ኩሉ ተገይሩ እዩ፡፡ በዞም ተግባራት እዚኦም’ውን ብዙሓት ቀያሕትን ፀለምትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም፡፡

ነዚኦም ኩሎም ብድሆታት ድማ ህወሓት ብፅንዓት ተቓሊሳ፣ ህዝቢ ኣሳቲፋ፣ ውሽጠ-ውድብ ዴሞክራሲ ክሰፍሕ ገይራ፣ በቢእዋኒ ኣተሓሳስባ ኣባላ እናሃነፀት ክፀፉ ዝግበኦም መስመራት እናፅፈፈት፣ ብጥንኩር ገምጋም፣ ብዓርሰ-ነቐፌታን ብነቐፌታን እናተሰነየ፣ ኣበቢ መድረኹ በላሕቲ ኣመራርሓ እናተስሓሉ ዝወፅሉ፣ ዘይከኣሉ ዝሳለይሉ፣ ዝተሸኸሉ ድማ ዝዕለይሉ ስርዓት ትኽተል ስለዝነበረ ኩሎም ዘጋጠሙ ብድሆታት ከም ናይ ውድብ መጠናኸሪ ዕድል ኮይኖም ህወሓት እናገበለት ትወፀሉ ኩነታት እዩ ዝፍጠር ነይሩ፡፡ ነዚ እዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህወሓት ዘለዎ እምነት ናይ ሓደ እዋን ተርእዮ ዘይኮነስ ማዕረ ዕድመ ህወሓት ኣብ ጠንካራ መሰረት እናተነደቐ ዝመፀን ብቐሊሉ ዘይሽርሸርን ዝበሃል፡፡

ነዚ እዩ ሓደ እዋን ክቡር መራሒና መለስ ዜናዊ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ርክብ እንትገልፅ፣ “ንህዝቢ ትግራይ ሓይሊ ሃበና እንትንብሎ ልዕሊ ዝሓተትናዮ ደቁ መሪቑ፣ ጥይት ብግንባርኩም’በር ብሑቖኹም ከይትወቕዐኩም ብምባል ደቁ ንመስዋዕቲ ሂቡና” ዝበለ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ከም ማንም ናይ ፖለቲካ ተወዳዳሪት ፓርቲ ኣይኮነን ዝሪኣ፣ ከም ውላዱ፣ ከም ወኪል ስውኣቱን ከም ወኪል ባዕሉን እምበር፡፡ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ሓብሒቡ ዘዕበያ ውድብ፣ ባዕሉ ስንቅን ዕጥቅን ዝኾና፣ ከመይ ከምዝትኮስ፣ ጥሜትን ፅምእን ከመይ ከምትፃወር ዘምሃራ ውድብ፣ ፀገም እንተጋጥምውን ይግስፃ እምበር ኣይነፅጋን፡፡ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ሃለዋት ህወሓት ዘረጋገፆም ረብሓታት ማለትውን ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝተቃለሰት፣ ንህዝቢ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዘላቐቐቶ ውድብ፣ ካብ በላዕቲ ሰብ ዝኾኑ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ዘላቐቐቶ ህወሓት፣ ናብ ጎደና ቅልጡፍ ልምዓት ዘሰጋገረቶ ውድብ፣ ረሲዑ ኣደዳ ትምክሕትን ፀበብትን ዝመርፅ ህዝቢ ኣይኮነን፡፡ ፀላእቲ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ፅዕፁዕ ናይ ስም ምጥፋእን በለካ ለኽዐካ ፕሮፖጋንዳ እንተነፍሑውን እዝኒ ከይሃቦም ኣብ ፅላል ውድቡ ዓሲሉ ንዓዎት በቒዑ፡፡

3.2 ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ

ደርጊ ብተሳትፎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ብዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ህዝቢ ትግራይን ድሕሪ ምድምሳስ፣ ምዕብልትን ብልፅግትን ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣር ዝግበር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ልዕሊ ሃገሩ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ብዴሞክራሲያዊነቱ ተወዳዳሪ ዘይብሉ፣ ዓለምለኻዊ መዐቀኒታት ሙሉእ ብሙሉእ ዘማለአ ሕገመንግስቲ ሃገርና ክትውንን ኣብ ምግባር ህወሓት ዕዙዝ ግደኣ ተፃዊታ እያ፡፡ ብምዃኑውን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ናይ ፀልማት እዋን ተላቒቑ ናይ ሰላምን ነፃነትን ኣየር ከተንፍስ ምጅማሩ፣ ኣብ ሃገሩ ማዕረ ተሰማዕነትን ዕድልን ረኺቡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክውስን፣ ኣብ ክልሉ ባዕሉ ንባዕሉ ከማሓድር፣ ብቋንቁኡ ክጥቀም፣ ባህሉ ከዕቢ፣ ክልሉ ከልምዕን ካብ ድሕረትን ድኽነትን ብምውፃእ ናብ ምዕቡላት ሃገራት ተርታ ክስለፍ ዕድል ብምርካቡ ዳርጋ ካልኣይ ምውላድ እዩ ዝቖፅሮ፡፡ እዚ ዕድል ኣብ ምርካብን ናብ ጭቡጥ ተረባሕነት ኣብ ምምፃእ ህወሓት ዝለዓለ ተራ ነይሩዋ፡፡

ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይነፃፀሉ ብደምን ኣዕፅምትን ዝተኣሳሰሩ ፈፂምካ ክትፈልዮም ዘይትኽል ሓደን ያውን እዮም፡፡ ህወሓት ከምቲ ኣብ ምድምሳስ ደርጊ ዝነበራ ናይ ኣምበሳ ብፅሒት (Lion Share) ድሕሪ ውድቀት ደርጊውን ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ምቅልጣፍ’ውን ዝለዓለ ብፅሒት ነይርዋ እዩ፡፡ ደርጊ ምስተደምሰሰ ሰላምና ንምዝራግ ብዙሓት ፀላእቲ ደርገፍገፍ ይብሉ ኣብ ዝነበሩሉ ኣብ ሽግግር መንግስቲ እዋን ይኹን ድሕሪ ምፅዳቕ ሕገመንግስቲ ሃገር ኣብ ምርግጋዕን ሰላምና ኣብ ምሕላውን ሕገመንግስቲ ክኽበር ኣብ ምግባርን ግደ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝለዓለ ነይሩ፡፡ እቲ ብሃገር ደረጃ ሐዚ ተሃኒፁ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ውክልና ዘለዎ መከላኸሊ ሃገር ኣብ ሓደ ፀሓይ ክህነፅ ዝኽእልን ዝተሃነፀን ኣይኮነን ናይባዕሉ ነዊሕ ጊዘ ዝወሰደ ከምዝኾነ ይፍለጥ እዩ፡፡ ኣብዙ እዋን እዚ ሃገር ናይ ምሕላው፣ ሰላም ናይ ምርግጋዕ፣ ሕገመንግስቲ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ተሸኪሙ ዝፀንሐ ኣካል፣ ኣባል ህወሓት ዝነበረ ተጋዳላይና ኣባል መከላኸሊ ሃገር ብምዃን እዩ፡፡ እዚ ናይ ህወሓት ግደን ኩርዓትን ድማ ናይ ትግራይ ህዝቢ ግደን ኩርዓትን እዩ፡፡ ነዚ እዩ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘይነፃፀሉ ሓደን ያውን እዮም ዝበሃል፡፡

ህወሓት ኣብ ሃገር ካብዘለዋ ፅልዋን ኣስተዋፅኦን ብተወሳኺ ኣብ ናይ ክልል ትግራይ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምርግጋፅ ልምዓትን ቁልፊን ዝለዓለን ብፅሒት ነይርዋን ሐዚውን ኣለዋን፡፡ ኣብ እዋን ምድምሳስ ደርጊ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ድኽነት እንትረአ ካብ ዓለምና እቲ ዝለዓለ መጠን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብረላ ሃገር ዝነበረት እንትትኮን ትግራይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ እቲ ዝኸፍአ ድኽነት ዝርከበላ ክፍለሃገር ነይራ፡፡ ኣብዙ ሐዚ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብር ብፍርቂ ቀኒሱ 22.9% ዝበፅሐ እንትኾን ናይ ትግራይ ድማ ካብ 75% ናብ 23% ክበፅሕ ምግባር ብዓለም ደረጃ ተኣምር ዘብል ፍፃመ ኮይኑ እዚ ድማ ብብፅሒት ኣመራርሓ እንትረአ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ህወሓት ብፅሒት እዩ ኢልካ ዝውሰድ እዩ፡፡ ናይዚ መግለፂ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ኣብ ዝርገሐ ማሕበራዊ ልምዓትን ዕብየታት ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኮይኑ ብጥማር ድማ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ዝመፀ ለውጢ ባዕሉ ምስክር እዩ፡፡ ማንም ካብ ህዝቢ ዝወፀ ፖለቲካዊ ውድብ ገይርዎ ዘይፈልጥ ስራሕን ውፅኢትን ዝሰርሐን ዝፈፀመን ውድብ እንተሃለወ ህወሓት/ኢህወዴግ ጥራሕ እዩ፡፡

ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ ዝሃነፀቶም ትካላትን ውዳበታትን ኣብ ድህሪ ውድቀት ደርጊ እውን ዝነበሮም ኣወዳድባ ብምጥንኻር ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲን ምስላጥ ልምዓትን ናይባዕሎም ዘይትካት እጃሞም ተዋፂኦምን ኣብ ምውፃእን ይርከቡ፡፡ ንኣብነት ማረት እንተወሲድና ኣብ ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ዘጋጥም ዝነበረ ተደጋጋሚ ድርቅን ጥሜትን ኣብ ምክልኻል ካብ ማንም ዘይመንግስታዊ ናይ ረዲኤት ትካል ንላዕሊ ትንቀሳቐስ ብምንባራ ሓደጋታት ኣብ ምቕናስ ዝለዓለ ተራ ነይርዋ፣ ቀፂሉውን ካብ ናይ ረዲኤት ብተወሳኺ ኣብ ናይ ትግራይ ልምዓት ምንቅስቓስ’ውን ንናይ ክልል መንግስቲ ግደ ዝመጣጠር ፃዕርታት ኣብ ማይ፣ ትምህርቲ፣ መስኖ፣ ማይክሮፋይናንስ ወዘተ ስራሕቲ ትነጥፍ፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት)’ውን ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ኣብ ትምህርትን ባህልን ካልኦትን ሰፊሕ ስራሕ ሰሪሐን ዝለዓለ ተራ ኣብ ምርግጋፅ ልምዓት ተፃዊተን እየን፡፡ ሓፋሽ ማሕበራት እውን ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ክሰፍንን ህዝቢ ትግራይ ብውዳበታቱ ኣቢሉ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ምርግጋፅ ልምዓትን ተሳታፊን ተጠቃሚን ኣብ ምግባር ዝለዓለ እጃም ነይርወን፡፡ ህወሓት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዘጥረየቶ ሃፍቲ’ውን ብምጥርናፍ ብመልክዕ ፋውንዴሽን ክውደብ ብምግባር ኣብ ትሕቲ ትእምት ተጠርኒፉ ናይ ክልልና ኢንዳስትሪ ልምዓት ብምድጋፍ ናይ ሃገርና ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ተራ ይፃወታ ኣለዋ፡፡ እዚ ኩሉ ምስ ህወሓት ተኣሳሲሮም ዝመፁ ውዳበታት ኣብ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲን ከም ቀንዲ ውራዮም ገይሮም ብምውሳዶም ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮም ዕዙዝ ተራ ኣብ ድሕሪ ውድቀት ደርጊውን ኣጠናኺሮም ብምቕፃሎም እዚ ረኺብናዮ ዘለና ለውጢ ኣብምርግጋፅ ናይ ባዕሎም ተራ ተፃዊቶም እዮም፡፡ ነዚ እዩ ህወሓት ተራ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነትስ ናይ ትግራይ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲን ከምኡውን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ትዋሳእ ኣማራፂ ዘይብላ ብሕታዊት ህዝባዊት ውድብ ትበሃል፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ገለ ስሱዓትን ብቅሬታን ብቂምን ዝዓወሩ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ስርዓትና ካብ ሀ ክሳብ ፐ ዝተበላሸወን ገስረጥ ከምዝኾነ፣ ዝሓዝናዮ ጉዕዞ ህዳሴ መንገዲ ዕንወት ከምዝኾነ ገሊኦም ብገርሆም ገሊኦም ድማ ብዕላማ ልዑኽ ፀላእቲ ተሸኪሞም፤ ለይትን ቀትርን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኮይኖም በለካ ለኽዐካ እናተቀባበሉ መርድእ ነገርቲ ይበራኸቱ ኣለዉ፡፡ ኩነታት ማሕበራዊ ሚድያና እንትንዕዘብ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊታት ህዝቢ ትግራይ ካብዙ ስርዓት ብፉሉይ በይኑ ከምዝርባሕ፣ ናይ ትግራይ ልዕልነት ከምዝነገሰ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምንብድባድ ምስ ካሊእ ህዝቢታት ሃገርና ንምብኣስ ለይትን ቀትርን እንትሰርሑ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ሻዕብያውን ምስኦም ናይ ኣረኣእያ ግንባር ብምፍጣር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንትሰርሕ ይረአ፡፡ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝወገኑ መሲሎም መርዚ ዝነዝሑ ፀበብቲ ሓይሊታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሃመም እንትብሉ ይረኣዩ፡፡ እዞም ፀበብቲ ሓይሊታትውን ካብ ትምክሕቲ ሓይሊታት ዝፈልዮም ነገር እንተሃለወ ኣብ ኣቀራርባምበር ዕላምኦም ግን ሓደን ያውን እዩ፡፡ እዞም ፀበብቲ ሓይሊታት እዚኦም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል ውድቡ ተጠርኒፉ ተቓሊሱ ዘረጋገፆም መሰላትን ረብሓታትን እናናኣሱ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ፌደራላዊ ስርዓት ተረባሒ ከምዘይኮነ፣ እኳደኣስ እሱ ብዝተቓለሶን መስዋእቲ ብዝኸፈሎን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስርዓቱ ጓና ከምዝኾነ እንተምበልብሉ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ፀበብቲ ይኹኑ ትምክሕቲ ሓይሊታት ዕላምኦም ንፁር እዩ፡፡ እሱውን ነዚ ፌደራላዊ ስርዓት ብምቁሻሽ፣ ንህዝቢ ብምድንጋር ኣብ ልዕሊ ስርዓቱ ቅሬታ ክሕዝን ብኡ ኣቢሉ ክቃወምን ብምግባር ብኣቋራጥ ናይ ስልጣን ፅምኦም ንምርዋይ እንተዘይኮይኑሎም ድማ ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ናብ ብተናን ዕግርግርን ንምእታው እዩ፡፡ ገለ ገለ ናይ ፌስቡክ ሃሳሳት እዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘሎ ታሪክን ፅኑዕ ሰንሰለትን ብዘይ ምርዳእ ከምዙ ኡፍ ኢሎም ዘፍርስዋ እናመሰሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓሪዶም ብምርቃና ኣብ መንጎ ህዝብን ውድብን ነቓዕ ንምፍጣር ለይትን ቀትርን ተፀሚዶም ይውዕሉ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ግን ልዕሊ ኩሎም ስልጡን፣ ለባምን ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ዝፈልጥ ብምዃኑ፣ ኣንጀቴ ኣበይ ዝነበርኩም ሓደሽቲ ሸቃጦ ኢኹም ይብሎም ኣሎ፡፡ ምሽክናት መሕዘንቲ ወገናት፡፡ ገሊኦም ድማ ናይ 1993 ማዕበል ተሃድሶ ዝገለፎምን ምስቲ መድረኽ ንምኻድ ዓቕሚ፣ ወነን ሑሩጭን ወዲኦም ብርኮም ምውስዋስ ኣብዩዎም ድሕሪ ምፅናሕ ጠቕሊሎም ናብቲ ዕድመ ንእስነቶም ሙሉእ ኣምሪሮም ዝተቃለስዎ ፅግዕተኛ ደንበ ከይሓፈሩን ከይሓነኹን ድርግም ኢሎም ብምእታው ንህዝቢ ትግራይ ክድልሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ላዕልን ታሕትን እንትብሉ ንዕዘቦም ኣለና፡፡ ህዝቢ ትግራይ ግን ብነበረያ ነበረን ናይ ሰባት ቆርበትን ዘይኮነስ ብመስመርን ዕላማን ዝኣምን ከምዝኾነ ይገልፀሎም ኣሎ፡፡

4 ፈተናታት ህወሓትን መውፅኢ መንገዱን

ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ኣብ ምርግጋፅ ዕውቲን ናይ ህዝቢ ድጋፍ ዘለዋ መዳርግቲ ዘይብላ ብሕታዊት ውድብ እያ እንትበሃል ግን ሐዚውን ፀፍ ጭልጥ ዝበለት ኣሰር በሰር ዘይብላ ውድብ እያ ማለት ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሐዚውን ኣብ ህንፀት ልምዓትን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣብ ሰላማውን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ ዘጋጥሙ ፈተንቲ ብደሆታትውን ኣለዉ፡፡ እሳቶም’ውን ክራይ ኣካብነት፣ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፀቢብነት፣ ትምክሕቲ እዮም፡፡ እዞም ፀገማት እዚኦም ኣብ ማንም ስርዓት ዘጋጥሙን ናይ ህዝቢ መረረት ብምስዓብ ህዝብን ስርዓትን ክፈላሊዩን ኢሉውን ሃገር ናብ ድኽነትን ዘይምርግጋዕን ዘብፅሑ ሓደገኛታት ሕማም መንግስታት ወይ ምምሕዳራዊ ስርዓታት እዮም፡፡ እዞም ፀገማት እዚኦም ኣብ ዝኾነ ስርዓት ዘጋጥሙን ዝርከቡን እኳ እንተኾኑ ኣብ ዘይማዕበላን ኣብ ከይዲ ምዕባለን ዘለዋ ሃገራት ዝረአ ፀገም ግን ኣብ መጠኑን ዓይነቱን ሰፊሕ እዩ፡፡ እቲ መሰረታዊ ኣፈላላይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ወይ ገዛኢ ፓርቲ ዝኽተሎ ዕላማን መስመርን ኣንፈት ቃልሲን ጥራሕ እዩ፡፡

ህወሓት ነዚ ፀገም ካብ ስረመሰረቱ ብዝርዝር ብመፅናዕቲ ብምንፃር መፍትሒኡውን ካብ ህዝባዊ ውግንና ዝብገስ መፍትሒ ምቕማጣ እዩ፡፡ ኣብ ሃገርና እዞም ክራይ ኣካብነት፣ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፀቢብነት፣ ትምክሕቲ፣ ኣኽራርነትን ፀገማት እዚኦም ኣብ ከማና ዝበሉ ሃገራት ብስፍሓት ዝረኣይሉ ቀንዲ ምኽንያት እንርከበሉ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓፈሻ ህልዊ ሃገራዊ ኩነታት ነዞም ሕመቓት እዚኦም ዝተመቸወ ብምዃኑ እዚ ምችው ኩነታት እዚ ካብ መሰረቱ ብምቕያር ንልምዓታዊ ዝምችው ክኸውን ብምግባር እዩ ልምዓት ምርግጋፅ ዝከኣ፡፡ እዞም ፀገማት እናሃለዉ ዝግበር ልምዓት ተዓናቒፉ ምውዳቑ ኣይተርፍን ብዝብል ሲፊሕ ምንቅስቓስ ተገይሩ እዩ፡፡

ህወሓት ልክዕ ከምቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማት ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ገምጋም፣ ምፅራይ፣ ዓርሰ ነቐፌታን ነቐፌታን፣ ተሃድሶታትን ብምስናይ ንዘጋጠሙ ፀገማት መፍትሒታት ብምቕማጥ ከም ሓደ መንጠሪ ብምጥቃም ተደራራቢ ዓዎታት ትሓፍስ ዝነበረት፤ ኣብቲ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ’ውን ብርክት ዝበሉ ፈተናታት እንተጋጥሙ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝግበር ዝነበረ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብምፍታሕ ከም መንጠሪ እንዳተጠቐመት ዓዎታት ምሕፋሳ ይፍለጥ፡፡ ሎሚውን ነዞም ስር ዝሰደዱ ሕመቓት ንምቕራፍ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መድረኻት ብምኽፋት ሰፊሕ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ይግበር ኣሎ፡፡ እዚ መድረኽ እዚ ከም ልማዱ ከም መንጠሪ ቦርድ Springboard ብምውሳድ ንቐፃሊ ጉዕዞና ሰፋሕቲ ዓወታት ከምዝሕፈሰሎም ምንም ጥርጥር የብሉን፡፡

እቲ ፀገም ክራይ ኣካብነት ካብ ላዕሊ ናይ መንግስቲ መሓውር ክሳብ ታሕቲ ዝረኣየሉ ኩነታት ኣሎ፣ እዚ ፀገም ኣብ መንግስታዊ መሓውር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ መንግስትን ህዝብን ናይ ልምዓት ትካላት፣ ኣብ መሓውራት ሓፋሽ ማሕበራት፣ ኣብ ዘይመንግስታዊ ናይ ልምዓትን ናይ ረዲኤትን ትካላት፣ ኣብ ናይ ፋይናንስ ትካላት ወዘተ፡፡ እዚ ፀገም ምህላው ቀንዲ ምኽንያቱ ህወሓት ትኽተሎ መስመር ዘይኮነስ ነባራዊ ኩነታት ሃገርና ማለትውን ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ሃገራና ንክራይ ኣካብነት ዝምቾ ብምዃኑ እዩ፡፡ ውድብን መንግስትን ነዚ ንክራይ ኣካብነት ዝምችው ኩነታት ንምፍራስ ካብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ሓደ ኣብዞም ብመንግስቲ ዝምርሑ ናይ ልምዓት ትካላት፣ ብቦርድ ዝምርሑ ትካላትን መንግስታዊ መሓውራትን ናይ ልምዓትን ረድኤትን ትካላት ብብቑዓትን ፖለቲካዊ ብስለት ዘለዎም መራሕቲን ክምርሑ ብምግባር እዞም መራሕቲ ድማ ቀንዲ ውራዮም ኣብ ዝተመደቡሉ ቦታ ዘሎ ንኽራይ ኣካብነት ዝምቹ ኩነታት ብምፍራስ ንልምዓታዊ ብዝጥዕም ኩነታት ናይ ምልዋጥ ጉዳይ ይኸውን፡፡ ይኹን እምበር ገለ ሓለፍቲን ሹመኛታትን ትካላት ልምዓትን ሓፋሽ ማሕበራትን ግን፣ ውድብን መንግስትን ዝሃቦም ሓላፍነት ብምርሳዕ ስልጣን ከም ቀንዲ ናይ ውልቀ መነባበሪኦምን ናይ ባዕሎም ናይ ስርቂ ሰንሰለት መፍጠሪ ብምግባር ብናይ ህዝቢን መንግስትን ሃፍቲ እንተላግፁ ይረኣዩ፡፡ ብናይ ህዝቢን ሰራሕተኛን መረረትን ገምጋምን ስርዓት ንምትሓዝ እንትፀዓር ናብ መስመር ንምእታው እንትፍተን፣ ገሊኦም ብዝፈጠርዎ ናይ ክራይ ኣካብነት ናይ ምጥቕቓም መርበብ ነቲ ርሱን ምንቅስቓስ ማይ እንትብርሑሉ ይረኣይ፡፡ ኣብ ክንዲ ናይ ህዝብን መንግስትን ረብሓ ዝሕልዉ ንውልቆምን መሻርኽቶምን ብምውጋን ዋርድያ ክራይ ኣከብቲ ኮይኖም ዝርከቡ ከሓድትን ሕድሪ ስውኣት ረገፅቲን ኣለዉ፡፡ እዚኦም ካብ ናይ ውድብን መንግስትን ዘቐመጦ መስመር ዝወፁን ዝበስበሱን እምበር ነቲ ውድብን መንግስትን ዝውክሉ ኣይኮኑን፡፡ ናይ ህወሓት መስመርን ዕላማን በዞም ከምዚኦም ዝበሉ ከሓድትን ስሱዓትን ዝኹለፍን ዝፍረጅን ኣይኮነን፡፡ ህወሓት ብደምን ኣዕፅምትን ዝተሃነፀት ዘመን ተሻጋሪት ውድብ እያ፡፡ ህወሓት ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዋ ምትእስሳር ብከምዚኦም ዝበሉ ከዳዓት ዘይብጠስ ብደምን ኣዕፅምትን ብቃልኪዳን ዝተኣሳሰረት ውድብ እያ፡፡ ህዝቢ ትግራይውን ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ኣብ ኣባላት እንትርኢ ኣየይ እዚ ናይ ውድብና ኣይኮነን ብምባል ውድብን ክራይ ኣከብትን ፈላሊዩ ይቃለስ፡፡ እዚ ናይ ጊዜ ጉዳይ እምበር ውዒሉ ሓዲሩ ምፅራዩ ኣይተርፍን ብምባል’ውን ኣብ ምፅራይ ውድቡ እጃሙ ብምሕያል ነዞም ከሓድቲ ገሊፉ እዩ ዝድርብዮም፡፡

ውድብ ዝዕቀን ብውልቀ ሕማቓት ኣባላት ወይ ኣመራርሓ ኣይኮነን፣ ውድብ ዝዕቀን ብውልቀ ንጡፋት ኣባላት ወይ ኣመራርሓ’ውን ኣይኮነን፡፡ ውድብ ዝዕቀን ብዝሓዞ ዕላማን መስመርን ኮይኑ ኣብ ክሊዚ ዕላማን መስመርን ዘሰለፎም ከ ክሳብ ክንደየናይ ናይ ዕላማ ፅንዓትን ህዝባዊ ወገንተኝነትን ኣለዎም ክሳብ ክንደየናይ ውፅኢት የመዝግቡ፣ ዘጋጥሙ ፀገማት ከ ከመይ ይፈትሑዎ ዝብሉ ኣገደስቲ እዮም፡፡ ኣባላት ይኹኑ መራሕቲ መላእኽቲ ስለዘይኮኑ ከም መጠን ሰብ ዘይጋገ የለን፡፡ ግንድማ ካብ ጌጋ ቀልጢፉ ምውፃእን ዘይምውፃእን ወሳኒ ይኸውን፡፡ በዚ ድማ ውድብና ሰፊሕ ተሞክሮ ኣለዋ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 42 ናይ ቃልሲ ዓመታት ካብ ዘጋጥሙ ብደሆታት ምውፃእ ኣብዩዎም ብዙሓት ውድባት ከምዘይነበሩ ጠፊኦም እንትተርፉ፣ ገለ ውድባት ድማ ኩነታቶም ምንባብ ኣብዩዎም ካብ ፀገሞም ትምህርቲ ምውሳድ ተሳኢኑዎም ህዝቦምን ሃገሮምን ናብ ዓዘቕቲ እንትኣትዉ ንርኢ ኣለና፡፡ ህወሓት ግን በዚ ትሕመ ውድብ ኣይኮነትን፡፡ ኣብ ዕድሜኣ ብዙሓት ፈተንቲ ፀገማትን ንህልውናኣ ናብ ሓደጋ ዘእቱን ንህዝቢ ናብ ዓዘቕቲ ዝዳርግ 3 ከበድቲ ናይ ምብስባስ ሓደጋ ገጢሙዋ ብንጡፍ ናይ ኣባልን ህዝብን ተሳትፎ ብብቕዓት ብምስጋር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊሮምዋ እዮም፡፡ ነዚ እዩ ህወሓት ከም ማንም ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነትስ ካብ ህዝቢ ዝወፀት፣ ምስ ህዝቢ ትነብር፣ ንህዝቢ ትሰርሕን ምእንተ ህዝቢ መስዋእቲ ትኸፍልን፣ ፀገም እንተጋጥማውን ናብ ህዝቢ ቀሪባ ምኽሪን መወጻፅኢ መንገዲ እትሓትትን ብሕታዊት ትግራወይቲ ውድብ እያ፡፡

ኣብ ህወሓት መዳርግቲ ዘይብሎም ብሉፃት ውልቀ ኣመራርሓን ኣባላትን ከምዘለዉ፣ መዳርግቲ ዘይብሎም ሕማቓትን ክራይ ኣከብትን ውልቀ ሰባት ክህልዉ ባህርያዊ እዩ፡፡ ግን ድማ ሃለዋት ውድብ ዝውሰን በዞም ክልተ ጫፋት ዘይኮነስ ብዝሓዘቶ ህዝባዊ ዕላማን መስመርን ከምኡውን ኣብ ክሊ እዚ ዝተሰለፈ ግንባር ቀደም ኣባልን ህዝብን እዩ፡፡ በዚ ኣንፃር እንትረአ ህወሓት ኢህወዴግ ዝሓዘቶ ዕላማ እንትረአ ምዕብልትን ብልፅግትን ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ዓለምና ተወዳዳራይ ብምዃን ሃፍቲ ዝጥረየሉ ስርዓት (Capitalism) ምህናፅ ኮይኑ ኣብቲ ሃብቲ ምጥራይ እውን ህዝቢ ብቐጥታ ተሳታፊ ዝኾነሉን ከም ተሳትፎኡ ድማ ተረባሒ ምግባር እዩ፡፡ ሃገርና ዋላውን ክልልና ኣብ ኩፉእ ድኽነት ምስ ምንባረን ተተሓሒዙ ብዓለም ደረጃ ተወዳደርቲ ንከይንኸውን ቆሪኖም ዝሓዙና ድሕረት፣ ድኽነት፣ ድንቁርና፣ ድሑር ባህሊ፣ ሕፅረት መሰረተ ልምዓት ወዘተ ፀገማት ኣለዉ፡፡ ዝኾነ ሃገር ንመጀመሪያ ጊዜ ካፒታሊዝም ንምህናፅ እንትብገስ እዞም ፀገማት ከጓንፍዎ ባህርያዊ እዩ፡፡ ዋላ እተን ዝማዕበላ ዝባሃላ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት እዞም ፀገማት እዚኦም ብምፍታሕ ኣብዚ ሐዚ ዘለዉዎ ብርኪ ዕብየት ንምብፃሕ ዝወሰደሎም ጊዘ እንትንርኢ ልዕሊ 200 ዓመታት እዩ፡፡ እሱዉን ከምዙ ሎሚ ዓለምና ዝሰልጠነሉ እዋን ዘይኮነስ ብሓይሊን ኢሰብኣዊ ብዝኾነ መንገዲ ካብ ዘይማዕበላ ሃገራት ሃፍትን ጉልበትን (ብመልክዕ ባርያ) ብምዝራፍ ሃፍቲ ብምውህላል ነይሩ ኣብዚ ክበፅሑ ዝኸኣሉ፡፡ ሐዚ በቲ ናታቶም መንገዲ ሊበራሊዝም (Liberalism) ንኺድ እንተኢልና ምስቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ግሎባላይዜሽን (ገሊኡ ሰፊሕ ናይ ምውድዳር ዓቕሚ ዘጥረየሉ፣ ገሊኡ ድማ ይትረፍ ናይ ምውድዳር ዓቕሚ ክህልዎ ካብ ረድኤትን ልቓሕን ወፃእ ምንባር ዝፅገመሉ ኩነታት) ሰላማዊ መንገዲ እንተኾይኑውን ልዕሊ ዕፅፊ (ልዕሊ 400 ዓመት) እሱኳ እንተሰሊጡና እዩ፡፡ ግን ድማ ምስቲ ሐዚ ጊዘ ዘይህብ ተባራዒ ሕቶ፤ ብመንገዲ ምስላይ ንኺድ እንተኢልና ሃገር ምርግጋዕ ኣብዩና ነኒባዕልና ክንባላዕ’ምበር 400 ዓመት ዘፅንሕ ዕድል የለን፡፡ ካብዚ መበገሲ እዚ ብምብጋስ ህወሓት ዝሓዘቶ መስመር እዞም ኣብላዕሊ ዝረኣናዮም ፀገማት ጊዜ ዘይህቡ ብምዃኖም ብናይ ሊበራሊዝም መንገዲ በዓልሃፍቲ ከማልአልና እንተይተፀበና፣ ንባዓል-ሃፍቲ እንተይኣዐንቀፍና እኳደኣስ እናደገፍና፣ መንግስቲ’ውን ብስፍሓት ኣብ ዝተነረፀ ጎዶሎታት ጣልቃ እናኣተወ እንተሰሊጡና ካብ 40 ክሳብ 50 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ምዕብልትን ብልፅግትን ትግራይ ክንፈጥር ዝብል ዕላማን መስመርን ብምሓዝ እያ ዛጊድ 16 ስሉጥ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ፍትሓዊን ልምዓት ምርግጋፅ ዝኸኣለት፡፡

ኣብ ሃገርና 62 ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊቦም ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘለዉ እኳ እንተኾኑ እቶም ተቋወምቲ ዝበሃሉ ኩሎም ህዝቢትግራይ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገፆም ናይ ዴሞክራሲ መሰላት (መሰል ብሄር ብሄረሰባት) ንምሽርራፍን ኢሎምውን ንምግሃስ፣ ብናይ ህዝቢ ይሁንታ ዘፅደቆ ሕገመንግስቲ ንምጥሓስን ቀዲድካ ንምድብራይን፣ ብኢኮኖሚ መዳያት ድማ ናይ መንግስቲ ኢድ ኣሲርካ ሒዝካ ኩሉ ብበዓል ሃፍቲ ብናፃ ዕዳጋ ናይ መንግስቲ ተራ ዘይብሉ ልምዓት እዩ ክኸውን ዘለዎ ይብሉ፡፡ እዚ ማለት ድማ መንገዲ ኤሊ ወይከዓ ምስላይ እዩ፡፡ ነዚ እዮ እዞም ውድባት እዚኦም ዕላምኦም ስልጣን ሒዝካ ኮብራሪን ንውልቀ መጥቀሚን እምበር ናይ ህዝቢ ፀገም ፀገምካ ገይርካ፣ ድሕረትን ድኽነትን ኣምሪርካ ብምፅላእ መጥፍኢኦም ስሉጥን ሓፂርን መንገዲ ነፂርካ፣ እቲ መድረኽ ዝሓቶ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው ኮይንካ ምርካብ ፍፁም የብሎምን ዝበሃል፡፡ እዚ’ውን ህዝቢ ኣፀቢቑ ይፈልጦ፡፡

ህወሓት ዝሓዘቶ ዕላማ እንትረአ ግን፤ ናይ ሓፂር እዋን ወይ ናይ ሓደ ወለዶ ዕላማ ዘይኮነ፣ ብሓደ ወይ ብውሱናት ብቑዕን ብሱልን ኣመራርሓ ጥራሕ ዝዕወት/ዝውሰን ዘይኮነ፣ ብሓደ ወይ ብውስናት ክራይ ኣከብቲ ኣመራርሓ ዝተዓናቐፍ’ውን ኣይኮነን፡፡ ዕላማን መስመርን ህወሓት ዘመን ተሻጋሪ፣ ልዕሊ 750 ሽሕ ግንባር ቀደም ኣባላት ዝሓቖፈ፣ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዘሰለፈን ተጠቃሚ ዝገበረን እዩ፡፡ ናይዞም ውልቀ ወይ ውሑዳት ክልተ ጫፍ ዝርከቡ ኣመራርሓ ነዚ ዕላማ ኣብ ምቅልጣፍን ኣብ ምትእጉጓልን ተራ የብሎምን እኳ እንተዘይተብሃለ ግን ድማ ወሰንቲ ኣይኮኑን፡፡ ናይ ህወሓት መፃኢ ዕድል ዝውስን እቲ ግንባር ቀደም ዝኾነ 750 ሽሕ ኣባልን ህዝቢትግራይን እዮም፡፡ ህወሓት ከምተን ኣብ ሃገርና ንሪኤን ዘለና ዝተጣየሻ ወይ ክጣየሻ ዝሕሰባ ዘለዋ ውድባት ዘይኮነትስ ብደምን ኣዕፅምትን ሰማእታት ዝተሃነፀት ውድብ፣ ካብቲ ዝሓለፈ ሚሊንየም ዝነበረ ወለዶ ብቃልኪዳን ብሓደራ ነዚ ኣብዙ ሓድሽ ሚሊንየም ዝርከብ ወለዶ ዝተረከበትን ንቕድሚት’ውን ብናይ ወለዶ ቅብብል ትቕፅል’ምበር ብናይ ሓደ ወለዶ ዕድመ ትውሰን ውድብ ኣይኮነትን፡፡

5 ፖለቲካ ሃገርና

5.1 ንሃገርና ወያናይ ዴሞክራሲ/ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ዶ ሊበራሊዝም?

ኣብዚ ዘለናሉ ኩነታት ስሉጥ፣ ፍትሓዊን፣ ዘላቒን ልምዓት ምርግጋፅ ዝከኣል ብሕታዊ መንገዲ መንገዲ ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ ጥራሕ እያ፡፡ እዚ መንገዲ ዝመርፅ ከዓ ነቲ ሕገመንግስትና ብልቢ ኣሚኑ ተቐቢሉን ምእንትኡ መስዋእቲ ንምኽፋል ዝተዳለወን ጥራሕ እዩ፡፡ እዚኣ ዝገብር ድማ ወያናይ ዴሞክራሲ ሓይሊ ጥራሕ እዩ፡፡ ስለዚ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ እንተኾይኑ ብሄሩ ብዘየገድስ ኣብ ኢትዮጵያ ስሉጥ፣ ፍትሓዊን፣ ዘላቒን ልምዓት ምርግጋፅ ይኽእል፤ ካሊእ ኩሉ መንገዲ መንገዲ ክራይ ኣካብነት፣ መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን እዩ፡፡

ናይ ኣፈፃፅማ ፀገማት፣ ናይ ክራይ ኣካብነት ፀገማት፣ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ኣብ ህንፀት ርእሰማላዊ ስርዓት ኩሉ ጊዜ ከጋጥም ባህርያዊ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ወያናይ ዴሞክራሲ ወይ ከዓ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ እዚ ከምዘጋጥም ብምፍላጥ መፍትሒ ኣቐሚጡ ዝጓዓዝ ብሕታዊ ስርዓት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ነዞም ሕመቓት ዝተመቸወ ባይታ እሾኽ ክንገብሮ ኣለና ኢሉ ስለ ዝብገስ (ንልምዓታዊ ዝምቾ ባይታ ምግባር ማለት ንኽራይ ኣካቢ ዘይምቾ እሾኽ ምግባር ማለት ስለዝኾነ)፡፡ እዚኣ ከዓ ብሰፊሕን ዝተመረፀን ኩለመዳያዊ ናይ መንግስቲ ጣልቃ ኣታውነት ጥራሕ እያ ኣብዝሓፀረ እዋን ክትፍፀም ትኽእል፡፡ ብመንገዲ ሊበራሊዝም ንኺድ እንተኢልና ልምዓት ምርግጋፅ ንበዓል ሃፍቲ ጥራሕ ገዲፍና ናይ ህዝብና ሕቶታት ልምዓት ብዝተቐላጠፈ ከማልኦ እዩ ኢልካ ምፅባይ ሕልሚ ወይ ድሌት ጥራሕ እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና’ውን ብበዓል ሃፍቲ ጥራሕ ዝተረጋገፀ ልምዓት ወይ ቅልጡፍ ዕብየት ወይከ የለን፡፡ እዚኣ ድማ ዝተምሃረ፣ ዘይተምሃረ ብሓፈሻ ኩሉ ህዝቢ ይፈልጣ፡፡ ሐዚ ዘሎ ጠለብ ህዝቢ መንግስቲ ካብቲ ዝኒሀ ምንቅስቓስ ንላዕሊ ፍጠን፣ ካብቲ ዝኒሄ ጣልቃ ምእታው ንላዕሊ ጣልቃ እተው፣ ድሌትና ተረዳእ፣ ኣይትፋዘዝ፣ ፀገማት ህዝቢ ፍታሕ እዩ ዝበሃል ዘሎ’ምበር መንግስቲ ኢድካ ኣክብ፣ ንበዓል ሃፍቲ ምንቅስቓስ ኣቢኻዮ ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ፡፡

ነዚ እዩ ድማ ሊበራሊዝም ኢና ንኽተል ዝብል ማንም ሓይሊ (ናይ ሃገርና ተቋወምቲ ሓይሊታት ኩሎም) ነዚ ናይ ህዝቢ ሕቶ ናይ ምምላስ ዓቕሚ፣ ብቕዓትን መስመርን የብሎምን፤ የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ፀገም ዘጋድድ ዕላማን መስመርን እዩ ዘለዎም ዝበሃል፡፡ ምኽንያቱ ሊበራሊዝም ማለት መንግስቲ ሕጊ ምኽባር እምበር ናይ ህዝቢን ሃገርን ናይ ልምዓት ሕቶ ክምልስ ኣይኽእልን፣ ሊበራሊዝም ሕቶ ልምዓት ዝምለስ ብበዓል ሃፍቲ እዩ ስለዝብል፣ በዓልሃፍቲ ናይ ሃገርና ድማ ገና ናይ ምውድዳር ዓቕሚ ስለዘየጥረየ ነዚ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ክምልስ ገና ዕሸል እዩ፤ ናይ ወፃእ በዓልሃፍቲ ብዘይገደብ ክኣቱ ምግባር ድማ ብሓይሊ ክገዝእዋ ዘይከኣሉ ሃገርና፣ ቀስ ብቐስ ብገንዘብ ሓይሊ ንክገዝኡዋ ኣሕሊፍካ ምርካብ ማለት እዩ፡፡

ካብዚ ንላዕሊ ውርደት እንታይ ኣሎ?

ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ግን መንግስቲ ብስፍሓት ኣብ ዝተመረፀ ጣልቃ ክኣቱ ኣለዎ እንትብል ናይ ዜጋና ናይ ህዝብና ናይ ምውድዳር ዓቕሚ ብምፍጣር ብዝተፈጠረ ዓቕሚ መጠን በሪኻ እናኸፈትካ ምኻድ ዝብል ኮይኑ – ነዚ መስመር ዝጨበጠ ድማ ኣብ ሃገርና ብሕታዊ ሓይሊ ወያናይ ዴሞክራሲ ወይከዓ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ሓይሊ ጥራሕ እዩ፡፡

5.2 ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዘሎ ደንበ

ሃገርና ጀሚራቶ ዘላ ጉዕዞ ህዳሰ ንምቕፃልን ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ተሃድሶ ትኽክለኛ መርገፂ ንምሓዝን ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ኩነታትን ዘሎ ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋን ጠንቂቕካ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ዘለዉ ተቋወምቲ ውድባት ይኹኑ ገዛኢ ፓርትን ኣጋራቱን ኩሎም ኣብ ሃገርና ዝግበር ህንፀት ዝማዕበለ ናይ ካፒታሊስት ስርዓት ኣፈላላይ የብሎምን፡፡ እቲ ቀንዲ ኣፈላላይ ስሉጥ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ፍትሓዊን ህንፀት ናይ ካፒታሊስት ስርዓት ከመይ ነረጋግፅ እዩ፡፡

ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ሓይሊታት (ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊቦም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ 62 ውድባት) ኩሎም ኣብ ክልተ ደንበ ከፊልካ ዝረኣዩ እዮም፡፡ እቶም ሓደ ክፋል ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ወይ ከዓ ወያናይ ዴሞክራሲ ኣረኣእያ ዝኽተሉ ኮይኖም ብዋናነት እቶም 4 ናይ ኢህወዴግ ውድባት ኮይኖም ግን ድማ ነዚ ኣረኣእያ ገና ዘይወነኑ ግን ድማ ዝድግፉ ኣጋር ውድባትውን (ናይ ዓፋር፣ ናይ ሰሶማሌ፣ ናይ ጋንቤላን ናይ ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ገዛእቲ ፓርቲታት) ኣብ ከይዲ በዚ ኣተሓሳስባ ክሕቆፉ ዝኽእሉ እዮም ኢልካ ክውሰድ ይከኣል፡፡ እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ እቶም ዝተረፉ ተቋወምቲ ውድባት ኩሎም ኮይኖም ኣብ ክሊ ናይ ሊበራሊዝም ኣረኣእያ ዝሕቆፉ እዮም፡፡ እዞም ክልተ ኣረኣእያታት እዚኦም ኣብ ናይ ሃገርና ፖለቲካ ኮንቲኒየም/Continuum ክልተ ጫፋት እዮም ኢልካ ይውሰድ፡፡ ከምዚ ዓይነት ተቓረንቲ ኣረኣእያታት ዘለዋ ሃገር ማለት ከምቲ ናይ ገመድ ጉተታ እቲ ሓደ ንሰሜን እቲ ሓደ ንደቡብ ዝዋጠጡ ዕላማን መስመርን ዝሓዙ ሓይሊታት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ተመጣጣኒ ሓይሊ እንትህልዎም ንዓዲ ሰላም፣ ምርግጋዕን ልምዓትን ረብሓ የብሉን፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃገር ኣውራ ፓርቲ እንትህሉ ጥራሕ እዩ ሰላምን ምርግጋዕን ሓሊዩ ዝኸይድ፡፡ ኣብ ከይዲ ድማ ብሄራዊ ምርድዳእ እናተፈጠረ እንትኸድ ናብ ተተኻኻኢ ፓርቲ ምስግጋር ይመፅእ ውሕስና ናይ ስርዓት ድማ ብኡ ኣቢሉ ኣብዘይንቕነቐሉ ብርኪ ይበፅሕ፡፡

ናይዘን ዝተረጋገዓን ኣዚየን ዝዓበያን ሃገራት ኩነታት እንትንርኢ ነዚ ንብሎ ዘለና ሓቂ ዘረጋግፅ እዩ፡፡ ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ኣውሮፓ ዘለዋ ዝለምዓን ዴሞክራሲያዊን ዝበሃላ ሃገራት እንተሪኢና፣ መብዛሕተን ኣብ ነዊሕ ዴሞክራሲያዊ ጉዕዞ ኣብ ብርኪ ተተኻኻኢ ፓርቲ ዝበፅሓ ኮይነን ሓደ ጊዜ ሓደ ፓርቲ እንትስዕር ኣብ ካልኣይ ወይ ኣብሳልሳይ መረፃ ድማ እቲ ካሊእ ፓርቲ እንትስዕር ኢና ንርኢ ዘለና፡፡ ኣብዙ መረፃታት እዚ ሃገርን ስርዓትን እንተናግዕ ኣይረአን እኳደኣስ ኣብ እዋን መረፃ ዝመፀ ፓርቲ ይምፃእ እቲ ሰራሕተኛ፣ ህዝቢ ተረጋጊዑን ስሩዕ ስራሑ ዝሰርሐሉን ምንም መሰረታዊ ለውጢ ዘይረኣየሉን ኩነታት እዩ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብተን ሃገራት ብሄራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐ ብምዃኑ እቶም ናይ ህዝቢ ድጋፍ ዘለዎም ዓበይቲ ዝባሃሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኩሎም፡-

· ኣብ ክሊ ሓደ ኣተሓሳስባ ወይከዓ ናይ ሊበራሊዝም ኣተሓሳስባ ዝቕበሉ ብምዃኖም፣

· ነቲ ሕገመንግስቲ ሃገሮም ቀንዲ ናይ ህልውናኦም ጉዳይ ገይሮም ዝወስዱ ብምዃኖም፣

· ሰላምን ምርግጋዕን ንድርድር ዘይህቡን ኣብዚ’ውን ብዘይኣፈላላይ ብሓባር ዝቖሙ ብምዃኖም፣

· ኣብ ናይ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ምርግጋፅ ምንም ኣፋላላይ ዘይብሎም ብምኳኖም፣

· ኣብ ናይ ሃገሮም ጉዳያት (ኣብ ሃገራዊ ናይ ናፅነት በዓላት፣ ኣብ ሰንደቕ-ዓላማ፣ ኣብ ብሄራዊ መዝሙራት፣ ወዘተ) እንትመፅእ ኩሎም ከምሓደ ፓርቲ ጠጠው ዝብሉ ብምኳኖም እዩ፡፡

እዚ እንትበሃል ኣብዘን ዝማዕበለ ዴሞክራሲ ዝሃነፃ ሃገራት ካብዞም ዓበይቲ ፓርትታት ወፃእ ካልኦት ዝተፈለየ ተቓራኒ ሓሳብ ወይ ኣረኣእያ ዘለዎም ውዳበታት የለዉን ማለት ኣይኮነን፡፡ ኣለዉ‘ምበር፡፡ ንኣብነት ብዓለም ዝተወገዘን ዝተፈንፈነን ናይ ጀርመን ናዚ፣ ሎሚውን ኣፍቀርቲን ተኸተልቲን ኢና በሃልቲ በቲ ዝተፈጠረሎም ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ተጠቒሞም ዳግም ፋሽስታዊ ስርዓት ንምምፃእ ዝፍትኑ ኣለዉ፣ ይኹን እምበር እዚኣቶም ኣብዚ እተዉ ዝበሃሉ ኣይኮኑን፡፡ እንትርፊ ዝተወሰኑ ኣኽረርቲ ወይ ኣጥበቕቲ ውልቀ ሰባት ካሊእ ብዙሕ ናይ ህዝቢ ድጋፍ የብሎምን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ጫፍ ዝኸዱ ፅንፈኛታት (ዝተፈለየን ተቓራኒን ኣረኣእያን ዕላማን ዘለዎም) ውዳበታት እንተሃለዉ’ውን ብዙሕ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ስለዘይብሎም ኣብ መብዛሕተን ዝማዕበላ ሃገራት እንኮላይ ጀርመን (መበቆል ናዚ) ምርጫ ኣብ ዝመፀ ቁፅሪ ምንም ስግኣት ዘይብሉ ዝተረጋገዐ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ወኒነን ይርከባ፡፡

ናይ ሃገርና ኩነታት ከ እንታይ ይመስል?

ናትና ኩነታት በዚ መለክዒ እንትንርኢ ብቐጥታ ተቓራኒ እዩ፡፡ ናትና ተቋወምቲ ውድባትን ገዛኢ ፓርትን እንትንርኢ ከም ተቋወምቲ ዘይኮኑ ዝረኣኣዩ ከም ፀላእቲ እዮም፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ

· ተቋወምቲ ውድባት ስልጣን እንድሕር ሒዝና ሕገመንግስቲ ቀዳዲድና ብምድርባይ ብኻሊእ ክንትክኦ ኢና ዝብሉ ብምኳኖም፣

· ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ፅኑዕ ቅዋም ዘይብሎም ምዃን፣ ምኽንያቱ እንተተኻኢሉ ብመረፃ ስልጣን ምሓዝ እንተዘይተኻኢሉ ብቀለም ወያነ ብዕግርግር ስልጣን ንሕዝ ዝብሉ ብምዃኖም፣

· ኣብ ናይ ሃገር ኩነታት ሓደ ዓይነት መርገፂ ዘይብሎም፣ ንዐኦም ዝድግፍ ናይ ደገ ሓይሊ እንተጋጥሞም ክሳብ ናይ ሃገሮም ረብሓ ኣሕሊፎም ዝህቡ ብምዃኖም (ንኣብነት ኣብ ናይ ህዳሰ ግድብን ኣብ ናይ ሱማሊያ ኣልሸባብ ጉዳይን ዝነበሮም መርገፂ እንትንርኢ ነዚ ሓቂ ቁልጭ ኣቢሉ የሪኤና)፣

· ኣብ ናይ ዴሞክራሲ ኩነታት መሰረታዊ ኣፋላላይ ዘለዎም ብምኳኖም (ንኣብነት ኣብ መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን)፣

· ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ዘየለ ምዃን፣ ንኣብነት፡-

o ነዞም ሐዚ ተረጋጊፆም ዘለዉ ናይ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዓፊኑ ኣረመኔያዊ ተግባራት ኣብ ህዝቢ ዝፍፅም ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ዝተደምሰሰላ ዕለት ጉንበት 20 መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተኽብራ እዞም ናይ ዓድና ተቋወምቲ ደርጊ ኮይኖም ኣኹሪፎም ይውዕሊ፣

o ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ማዕርነት ዝተረጋገፀሉ ኣርማ ዘለዋ ሰንደቕ-ዓላማና የናሽዉዋን ክብሪ የስኡኑዋ፣

o ኣብ ብሄራዊ መዝሙራትና እንትዝመር የባጭዉ፣ ወዘተ ብምዃኑ ኣብዞም ሃገራዊ ጉዳያትን መግለፂ መንነትን መብዛሕቶም ናይ ሃገርና ተቋወምቲ ውድባት ካብ ፀላኢ ካብ ሻዕብያ ተፈሊዮም ኣይራኣዩን፡፡

ብጠቕላላ ናይ ዓድና ፖለቲካ እቲ ሓደ ደንበ (ወያናይ ዴሞክራሲ) ንምብራቕ እንትጎትት እቲ ካልኣይ ደንበ (ሊበራሊዝም ወይ ደንበ ተቋወምቲ) ድማ ንምዕራብ ዝጎትት ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ ጨዋታ እዩ፡፡ ናይ ዜሮ ድምር ጨዋታ ድማ ሃገር ይጎድእ፣ ህዝቢ ይበርስ፣ ዘልኣለም ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ዕግርግርን ይንበር ማለት እዩ፡፡ እቲ ፅቡቕነት ግን ነዞም ሓይሊታት እዚኦም እቲ ህዝቢ ቀልጢፉ ዝፈለጦምን ዝተረደኦምን ብምዃኑ ብናይ መረፃ ካርዱ ካብ እዋን ናብ እዋን ድምፂ እናነፈጎም/ማርጅናላይዝ (Marginalized) ምግባሩ እዩ፡፡ እዚ ዘሪኤና ዕላማን መስመርን ህወሓት/ኢህወዴግ ክሳብ ክንደየናይ ናብ ህዝቢ ሰሪፁ ዝኣተወን ተረባሒ ምግባር ምጅማሩን እዩ፡፡

እዚ እንትበሃል ግን በቃ ናይ ህወሓት ኢህወዴግ መስመር ብህዝቢ ተቐባልነት ስለዝረኸበ ተረጋጊዕካ ሃርስ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ መስመር ምውናን ሓደ ዓብዪ ነገር እኳ እንተኾነ፣ በይኑ ግና እኹል ኣይኮነን፡፡ ተግባራዊ ምግባርን በቢጊዚኡ ኩነታትን ጠለባትን ህዝቢ እናተኸታተልካ ፍታሕ ምሃብን መስመራትካ ምዕሟቕን ምፅፋፍን፣ ብሓፂሩ ዕረፍቲ ዘይብሉ ስራሕ ይሓትት፣ እዚውን እዩ እቲ መድረኽ ዝጠልቦ መስዋእቲ ዝበሃል፡፡ ኣስተሪሕና ወይ ተረጋጊዕና ዝሓደርናላ ዕለት ማለት ብኣ መጠን ፀገም ተፈጢሩ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ቅልጡፍ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ፍትሓዊን ልምዓት ክቕፅል እንተተደልዩ ድቃስ ዘይብሉ ኣመራርሓ ይጠልብ፣ ድቃስ ዝስእን ኣባል ውድብ ይጠልብ፣ ብዝተረጋገፁ ዓዎታት ዘይዓግብ – ቀፀልቲ ናይ ልምዓት ሕቶታት ብምቕራብ ድቃስ ዘስእን ህዝቢ ክፍጠር የድሊ፡፡

እሞ ድቃስ ዘስእን ህዝቢ ተፈጢሩ ዶ?

ኣብዙ ሐዚ እዋን ነቲ ልምዓት ንክቕፅል ካብቲ እንፅበዮ ንላዕሊ፣ ህዝቢ ክንቕንቐናን ከበራብረናን ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ብኢኮኖሚያዊ ልምዓት መዳዩ ሓያሎ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ይውሕጅ ኣሎ፤ ህዝቢ ንመሰረተ ልምዓት ተኸቲሉ ደቀቕትን ኣናእሽተን ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ – ነዚ ሲዒቡ ከበድቲ ሕቶታት ሓይሊ መብራህትን ስሉጥ መንግስታዊ ግልጋሎትን ይሓትት ኣሎ፡፡ ብማሕበራዊ ልምዓት መዳዩ ንኢኮኖሚያዊ ልምዓት ተኸቲሉ ማሕበራዊ ጠለባት ከም ትምህርቲ ጥዕና ግልጋሎታት ይሓትት፣ ምስ መንግስቲ ብልፍንቲ ይሃንፅ፤ ነዚ ተኸቲሉ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ሕቶ ክሳብ ናብ ገልጠምጠም ዘእቱ ይውሕጅ ኣሎ፡፡ ብሓፂሩ ድቃስ ዘስእን ህዝቢ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እዚ ዓብዪ ዓዎት ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ወይከዓ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ እዩ ኢልካ ዝውሰድ እዩ፡፡

ድቃስ ዝሰኣነ ኣመራርሓን ኣባልን ከ ተፈጢሩ ዶ?

በቲ ካሊእ መዳዩ እዚ ዓብዪ ዓዎት መስመርና ድማ ስቕ ኢሉ ብናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ጥራሕ ዝመፀ እዩ ክበሃል ኣይኽእልን፡፡ ኣብ ድሕሪ ሕድሕድ ዓዎት ቁልፊ ተራ/ግደ ኣመራርሓ ኣለዋ፡፡ ከም ትግራይ/ህወሓት ልዕሊ 750 ሽሕ ግንባር ቀደም ኣባል ምውናን ማለት ኣብ ሕድሕድ ናይ ልምዓት ምንቅስቓስ ብኣመራርሓን ብሞዴልነትን ሰፊሕ ተሳትፎ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ድቃስ ዝሰኣነ ኣመራርሓ ’ውን ተፈጢሩ ኣሎ ኢልካ ዝውሰድ እዩ፡፡ ይኹን’ምበር ድቃስ ዝሰኣነ ኣመራርሓን ኣባልን እንተሃለወ’ኳ፣ ሃካይን ቀልጢፉ ዝዓግብን ኣመራርሓን ኣባልን‘ውን ግን ይበራኸት ኣሎ፣ ካባይ ንላዕሊ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ የለን ምባል ዝጀመረ ኣሎ፣ ብዘይ ናተይ ኣስተዋፅኦ ፍሒት ምባል ኣይከኣልን ናምባል ዝኣቱ ኣመራርሓ ይረአ ኣሎ፣ ገሊኡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እታ ትካል ብዘይንሱ ትፈርስን ጠጠው ኢላ ዘይትኸድን ናይ ሓደሰብ ዕድመ ዘለዋ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይገብራ ኣሎ፡፡ ገሊኡውን ነዚ ቅቡል ብምግባር እቲ ናይ ውድብን መስመርን ሓያልነትን ዓዎትን ረሲዑ ዝተረጋገፁ ዓዎታት ምስ ውልቀ ሰባት ብምትእስሳር እከለ እንድሕር ዘየለ በቃ እዛትካል ሞይታ ጠፊኣ ክሳብ ምባልን ሪኢኻ ከምዘይረኣኻ ምኻድን ይረአ ኣሎ፡፡ ካብዚ ዝብገስ ስልጣን ቢሒቱ ልዕሊ ናይ ቃልሲ ኣስተዋፅኦኡ ንባዕሉ ምርባሕ ዝጀመረ ዝብኢ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ዝቖመሉ ዕላማ ረሲዑ፣ ሕድሪ ሰማእታት ረጊፁ፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ስርቅን ግበረለይ ክገብረልካን መርበብ ዘርጊሑ፣ ውድባዊ ኣሰራርሓን መትከላትን ጥሒሱ ድሌቱ ምግባር ዝጀመረ፣ ኣባልን ኣመራርሓን ምውጣም ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ንዝቃለስ ምኹርኳም፣ ሕቶ ንዘልዕል ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ምጥቓዕ ንገሊኡ ድማ ኣፍ መኽደኒ ውህብቶታት፣ ዕብየታት፣ ረብሓታት ብምሃብ ነቲ ትካላዊ/ውድባዊ መስርሕ ብምጥሓስ ውድብን መንግስትን ዝሃቦ ስልጣን ንውልቀ ስምዒት መርወይን ዝጥቀሙ ጉሒላታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ እዚ ጉዳይ ብቅልጡፍ እንድሕር ዘይተኣልዩ ውዒሉ ሓዲሩ ካብቶም ናይ ተቋወምቲ ሓይሊታት ዝፍለ መንገዲ የብሉን፡፡ እዚ ናይ ክራይ ኣካቢ መንገዲ ዝመረፀ ወገን ነቲ ካብ ሰማእታት ብሕድሪ ዝተረከቦ መስመር ገዲፉ መንገዲ ጥፍኣት ከምዝመረፀ ምንም ጥርጥር የብሉን፡፡ ስለዚ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣቦይ ስብሓት ዝበልዎ ንውልቀ ሰባት ክበሃል ንውድብ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ውሳነ ብፍፁም ክውሰን የብሉን፡፡ እዛ ውድብ እዚኣ ናይ ውልቀ ሰባት ክብሪን መሰልን ንምሕላው ኢላ ዕላማኣን መስመራን ትረግፅ ውድብ ኣይኮነትን፡፡ ከምኡ ዓይነት ታሪክ‘ውን የብላን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ተሃድሶ ዝተገበረ ነገር እንተሃለወ ጥቓ ፍርቂ ናይ ውድብ ማእኸላይ ኮሚቴን ስራሕ ፈፃሚትን ኣብ ናይ ውድብ መስመር ምድርዳር/ምሽርሻር እንትጅምር ዋላኳ ን3-4 ዓመታት ምስላይ እንተነበረ‘ውን ኣብ መወዳእታ ግን ናይ ህዝቢ ረብሓን ናይ ሰማእታት ሕድርን ይዓቢ ልዕሊ ዕላማን መስመርን ውድብ ዝረአ የለን ብዝብል ክበላሸዉ ዘይትፅበዮም ዓበይቲ ኣመራርሓ፣ ናይ ኢህወዴግ ቁልፊ ሰባት ዝበሃሉ ፀግዖም ክሕዙ ብምግባር ነዚ ከም መንጠሪ ቦርድ Springboard ብምጥቃም ናብ ተኣምራዊ ዓዎት ምእታውና ይዝከር፡፡

ሐዚውን ገጢሙና ዘሎ ከምኡ እዩ፡፡ ብክራይ ኣካብነት ዝተጨማለቑ ውልቀ ኣባላት ሒዝና ክንከድ የብልናን፡፡ እዛ ውድብ እዚኣ ናይ ሓደ ወለዶ ውድብ ኣይኮነትን፣ ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ኣባላት ውድብን ናይ ህዝቢ ትግራይን እያ፡፡ ብናይ ውልቀ ሰባት ካብ ዕላማን መስመርን ውድብ ወፃእ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ትፍረጅ ውድብ ኣይኮነትን፡፡ ከምቲ ብናይ ዱላ ቅብብል ጉያ …… ሕድሪ ተቐቢልና ኣብዚ ብርኪ ኣብፂሕናያ ዘለና፤ ከይበረዝና፣ ከይከለስና ዝተቐበልናዮ ፁሩይ መስመር ንመፃኢ ወለዶ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ከምዘለና ከይዘንጋዕና ፅሬት ውድብ ንምሕላው ድቃስ ክንስእን ይግባእ፡፡ ልዕሊ መስመርን ዕላማን ዝስራዕ ማንም ከምዘየለ ተረዲእና ዝተሸኸሉ ብምእላይ ናብቲ ንቡር ናይ ቃልሲን ልምዓትን መንገድና ክንኣቱ ይግባእ፡፡

6 መጠቓለሊ

ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ካብ ዝበፅሖ ዝነበረ ወፅዓን ጭቆናን ንምንጋፍ ብዘይምስልቻው እናተቓሰ፣ እናወደቐ፣ እናተሰአ እንተመፀ’ውን ናብ ሙሉእ ህዝባዊ ዓዎት ክዓትርን፣ ህዝባዊ መስመር ክውንን ዝኸኣለ ብህወሓት መሪሕነት ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ጥራሕን ጥራሕን እዩ፡፡ ስለዚ እዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ሪኢዎ ዘይፈልጥ ስርዓት ዴሞክራሲን ስሉጥ፣ ፍትሓዊ፣ ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓትን ተቋዳሲ ክኸውን ዝገበሮ መስመር ውድቡ ውድብ ህወሓት እዩ፡፡ ህወሓት ናይ ተጋሩ እኽብካብ ብምዃና ጥራሕ ዝተረጋገፀ ዓዎት ገይሮም ዝርድኡ ብዙሓት ወገናት ኣለዉ፡፡ እዚውን ጌጋ እዩ፡፡ ቅድሚ ነፍጠኛ ስርዓት ህዝቢ ትግራይ ብተጋሩ ይምራሕ ነይሩ ግን እቲ ሽዑ ኣብ ዓለምና ዝነበረ ዘመናዊ ምሕደራን ዴሞክራሲያዊን ሰብኣውን መሰላትን ከጫንውዎ’ውን ኣይከኣሉን፤ እኳደኣስ ነቲ ናይ ምንቁልቋል ጉዕዞ ኣቀላጢፎምዎ፡፡

ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጠረትን ህዝባዊ መስመር ዝወነነትን ንህዝብታት ረብሓ ትቃለስን ስለዝኾነት እዩ ህዝቢ ትግራይ ዝሕብሕባ፡፡ ናይ ህወሓት መስመር ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሎም ናይ ዓለምና ውፅዓት ህዝብታት ዘቃልስ መስመር እዩ፡፡ ንህወሓት ኣፀቢቑ ዝፈልጣ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ፈጢሩዋ፣ ኣዕቢዩዋ፣ ይሕብሕባ ኣሎ፡፡ ህወሓት ካብ ህዝቢ እንተተነፂላ ሂይወት የብላን ሂይወት ዝኾና ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ህወሓት ሽግር እንተጋጥማውን ከምኡ መፍትሒኡ ኣብ ህዝቢ ትረኽቦ፣ ህዝቢ ዘጋጠሞ ፀገም‘ውን ትፈትሐሉ ውድቡ ህወሓት ጥራሕ እያ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘይፈላለዩ ሓደን ያውን እዮም፡፡

ስለዚ ንህወሓት ምድጋፍ ክንብል ከለና ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢልና ፀገማት እንትንርኢ’ውን እቲ ፀገም ንክፍታሕ ኣረኣእያን ተግባርን ኣባል ምስ መስመርን ዕላማን ህወሓት ፈላሊና ክንቃለሶ ደኣ ይግባእ እምበር ኣብ ገለ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብ ሕመቓት ኣብ ዝረኣናሉ ቁፅሪ ንውድብ ገፅኪ ይርሓቕ ክንብል ኣይግባእን፡፡ ውድብ ናይ ውልቀ ኣባላትን ኣመራርሓን ዘይኮነትስ ውፅኢት 60 ሽሕ ስውኣትን 100 ሽሕ ስንኩላትን ኮይና ሐዚ ድማ ልዕሊ 750 ሽሕ ተጋሩ ግንባር ቀደም ኣባላት ዝሓቖፈት ውድብ እያ፡፡ ብሓፂሩ ህወሓት እንተስ ብጀጋኑ ስውኣት፣ እንተስ ብኣካሎም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ጉድኣት ኲናት ወይከዓ ሐዚ ኣብ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ ሕድሪ ሰማእታት ተረኪቦም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ግንባር ቀደም ኣባላት ኣቢላ ዘይትኣትዎ ስድራ ኣብ ትግራይ የብላን፡፡ ስለዚ’ውን እዩ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይነፃፀሉ ሓደን ያውን እዮም ዝበሃል፡፡ ስለዚ ሕዚውን ኩሉ ትግራዋይ ዘለናሉ ኩነታት ብደንቢ ብምርዳእ፣ ወያናይ ዴሞክራሲ ወይከዓ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ንትግራይና ከምኡውን ንሃገርና ብሓፈሻ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ሰላምን ዘይምርግጋዕን ጉዳይ፣ ናይ ሓድነትን ምብትታንን ጉዳይ፣ ናይ ጉዕዞ ህዳሴ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ጉዳይ፣ ናይ ሕድሪ ሰማእታት ምቕባልን ምርጋፅን ጉዳይ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ፅላል ወያናይ ዴሞክራሲ ተሰሊፍና ህወሓት ጀሚራቶ ዘላ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መድረኻት ደጊፍናን አእጃምና ብምውፋይ ዝተጀመረ ጉዕዞ ህዳሴና ናህሩ ዓቂቡ ክግስግስ ምግባር ናይ ኩሉ ትግራዋይ ሓላፍነት ክኾን ይግባእ፡፡

*********

Guest Author

more recommended stories