ዝጣበቐሉ ዝሰኣነ ጠበቓ ትግራይ!

(ዘ-ሆሳእና)

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ ሸገር ዝነበር ሓደ ትግራዋይ ጠበቓ ማሓዛና (መሓዙት እኳ ኣይኮናን ዋይኢ!) ስሙ ምንጋር ኣገዳሲ ድዩ ኣይኮነን ይፅነሐልና ሞ ኣብ መቐለ ንዘለዎ ጉዳይ ዝሕግዞ ጠበቓ ስለዝደለየ ስልኪ ናብ መቐለ ደዊሉ “ኣንታ እገለ ጠበቓ አበይ ኣሎ?” ኢሉ እንትሓትት “ከይሰርሕ ተኣጊዱ!” ዝብል ምላሽ ረኺቡ ቀፂሉ ድማ “ክስቶ ጠበቓ ኸ ደኣ?” “10,000 ብር ተቐፂዑ!” ቀፀለ ሓታቲ “ዋእ ጠበቓ እገለ ኸ?” “ኣብ ኸይዲ ገበን ክሲ አሎ” ወይለከ! በለ ሓታቲ ቀፂሉ ድማ “እሞ እኒ ጠበቓ እገለ ኸ?” እንትበል “ንሳቶም እማ ተኣሲሮም እዮም!!” ዝብል ምላሽ ምስረኸበ ወዮ ወዲ ሰንቢዱ “ዋይ..ስማዕንዶ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ተገልቢጡ ድዩ?” ክብል ክምስ ኣቢሉና “በሉ ዘይተገፈፉ ጠበቓታት” እንተሃልዮም ስልኮም ሃቡኒ ኢሉ ስልኩ ዓፅዎ፡፡

ድሕሪ ዓመት ዘሎ ኩነታት ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ “መንግስቲ ተገልቢጡ ድዩ?” ኢሉ ወዮ ወዲ ዝቐለዶስ ናይ እማን ግዲ እዩ? ኢለ ንባዕለይ ምሕታት ጀሚረ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ኣወሃህባ ፍቓድን መዝገባን ጠበቓት ትግራይ “ተመሓይሹ” ተብሂሉ ዝወፀ አዋጅ ኣብ ስራሕ ካብ ዝዉዕል ልዕሊ 2ተ ዓመት ዝገበረ ዋላ እንተኾነ ክሳብ ሐዚ ግን ብዘይምንም ደንቢን መምርሒን ከከም ኣረዳድኣ እቶም ሓለቓታት እቲ ቢሮ ዓዉደ ስራሕ ጥብቅና እናተመርሐ እንተይኮነስ እናተጓሰየ ፀኒሑ እዩ ምባል ብዘይምግናን እዩ፡፡እዚ ድማ ሰብ ካብ ሰብ ዘለዎ ኣረዳኣን ትኹረትን ዝተፈላለየ ምስምኻኑ ተኣሳሲሩን ብኻልኦት ግዳማዊ ፀገማትን እቲ ኸይዲ ምሕደራ ምዕሩይን ተገማትን ክኸዉን ካብ ዘይምኽኣሉ ንላዕሊ ብቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ብኣዋጅ ዝተጣየሸ ትካል ጥብቅና ምኻኑ ተዘንጊዑ ከምሓደ ዘይሕጋዊ ጉልት ዕዳጋ “ሚኒቹቤ” ተገይርሉ ፎቖዶ መንገዲ “ሓዞ በሎ…ቁረፅ በሎ” እናተብሃለ ምፅንሑ ክትርኢ ከለኻ ብጣዕሚ የሕዝን ኢሉዉን የሰክፍ፡፡ሕግን ስርዓትን ይከበር ተብሂሉ ከይሕመ ድማ እቲ ምሕደራ ጠበቓታት ትግራይ ቀደሙ እዉን ዳርጋ ብዘይምንም ሕጊን ስርዓትን እናተጓሰየ ስለዝፀንሐ ሐዚዉን ስርዓት ክሕዝ ኣይከአለን፡፡

ብፍላይ ድማ ጠበቓታት ክህልዎም ዝግባእ ናይ ሰራሕ ቦታ ደረጃ፣ብመሰረት ናይ እቶት ድንጋገታት ክኽፈል ዘለዎ ኣሰላልሓ መጠን ግብሪን ኣገባብን ስርዓት አከፋፍላን፣ኣብ ምዉፃእ ፣ምሕዳስ፣ምስራዝን ምምላስን ፍቓድ ጥብቕና ክማልኡ ዝግብኦም ጉዳያት፣ናይ ጠበቓ ድሲፕሊን ክሲን ቅፅዓትን ድሕረ-ቅፅዓትን ክህልዎ ዝግባእ ስነስርዓትን፣ኣገባብ ደገፍን ክትትልን ጠበቓታት፣ ስርዓት ዳህሳስን ሪፖርትን ጠበቓታትን ግብረመልስን…ወዘተን ካልኦት አገደስቲ ጉዳያትን ብግልፂን ብዘየሻምን መንገዲ ደንቢን መምርሒን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ሓለቓ ቢሮ ብዝተለወጠ ቑፅሪ ምሕደራ ጠበቓታት ትግራይ ሓንሳእ እናሞቐ ሓንሳእ እናዘሓለ ተገማትነት ብዘይብሉ መንገዲ ኣብ ከይዲ ዝነበረን ዘሎን ካብ ምኻኑ ንላዕሊ እቲ ጠበቓ ኣብ ገሊኡ እዋን “ኣያም በል!” ዝብሎ ስኢኑ ድዩ ወይስ ፀጊቡ? ወይስ ከፊእዎ? ኮታስ ብእግሩን ብኢዱን ከምቲ ደራፊ “ዘዊደሮ ርግፂ ዒፍየ” እናበለ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን እናገበረ ከምድላዩ እንትዕንድር ኣብ ገሊኡ እዋን ድማ እቲ ጠበቓ ብአመክሮ ዝተፈትሐ ገበነኛ መሲሉ “ንገርኒዶ ሓለፋይ ኣያይ ናብ ኸይዱ አብሻይ”ዝብል ዘሎ ድምፃዊ ክሳብ ዝመስል ቃህሚሙ ፎቖዶ እንዳቡን ርእሱ ኣድኒኑ ሓፊሩ ድዩ ወይስ ተሸቑሪሩ? እንድዒ! እንትቑዝም ገሊኡ ድማ ሻሞዳ ሕልኮ ኣትይዎ “ኣይትረብሕን” ተብሂሉ ስሙ አብ ሰሌዳ ዝተለጠፈሉ “ቢሮ ሓለቓ ምሳይ ኮምፕ/ሕዱር ፅልኢ ስለዘለዎ እዩ ቀፂዑኒ” ብምባል ፎቖዶ ሰበር “በጃኹም ነዚ ሓለቓ ሕቑኡ ስበሩለይ” እናበለ ክትሪኦ ምዕዛብ ልሙድ ኾይኑ እዩ፡፡ብጣዕሚ እዩ ድማ ዘሕፍር፡፡

ናይዚ ቅልዉላዉ ቀንዲ መንቀሊ ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመት ዝነበረ ምሕደራን ኣብዚ ክልተ ዓመት ዘሎ ምሕደራን ጠበቓታት ትግራይ እንትርአ እቲ ቢሮ ናይ ሓደ ሓለቓ ለዉጢ እምበር ናይ ኣዋጅ ለዉጢ ኣብዘይገበረሉን ብዓብይኡ ድማ ምንም ዓይነት ደንብን መምርሕን ኣብ ዘየዉፀሉ ኹነታት እናሃለወ “ናይ መንግስቲ/ፖሊሲ ለዉጢ ተገይሩ ድዩ?” ተብሂሉ ክሳብ ዝሕጨጨሉ ብዘይምግናን ናይ ሰማይን ምድርን ዝኣክል ሰፊሕ ኣፈላላይ ዝተረኣየሉን ዝረአየሉን ዘሎን ምሕደራ ምህላዉ እዩ፡፡በዚ መዳይ ኣየናይ ምሕደራ እዩ ፅቡቕ እንተተባሂሉ ከም ናይሐዚ ኩዑሶ እግሪ ትግራይ “አየኹም ናይና” ዘብል ኣሰላልፋ ዝሓትት ካልእ አጀንዳ እዩ፡፡ኾይኑ ግና ክልቲኡ ምሕደራ በቲ ኣዋጅ መሰረት ግልፂ ደንቢን መምርሒን ወፂኡዎ ብስርዓት ዝመሓደር ድዩ ኸ? እንተተባሂሉ ግና ጠቓሚን ሚዛናዉን ሕቶ እዩ፡፡

ዝኾነ ኾይኑ መንገፍ ዘይወፆ ምሕደራ ዝበሃል ዋላ ኣይሃሉ ክንዲ ዝተኽኣለ ይሕመቕ ይፀብቕ ፍትሓዊ፣ተኣማኒ፣ግልፅነት ዘለዎ ስርዓት ምሕደራ ፍትሒ ክህልዉ እንተኾይኑ ኣዋጅ ደንቢን መመርሒን ኣዉፂእኻን ክመሓየሽ ዝግብኦ ኣመሓይሽካን ናብ ተግባር ምሽራፍ ወዓል ሕደር ዝበሃለሉ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡እንተዘይኮነ ሐዚ እዉን ሰማዒ እንተሃልዩ…“ባህ አይበላ ፋፂ!” ዝዓይነቱ ኣካይዳ ምሕደራ ፍትሒ ብሓፈሻ ነቲ ስርዓት ኣብ ርእሲ ዘለዎ ለምፂ ተወሳኺ ከብዲ ቁርፀት እምበር ካልእ ዘወክሶ ፋይዳ ኣይብሉን፡፡እዚ ንምግባር ድማ ብስምዒት እንተይኮነስ ሳይንሳዊ ሜላ ፅንዓት መሰረት ዝገበረ ብሱልን ሚዛናዊን ኣዋጅ፣ዝርዝር ኣፈፃፅማ ስርዓት ዘለዎን ምስ ነበራዊ ኹነታት ናይዚ ክልልን ሃገርን ክጠዓዓም ዝኽእል ደንቢ ከምኡ ድማ ኣብዚ ኣዋጅን ደንቢን ዘይተሸፈኑ ወይ ድማ ዝርዝር መመርሒ ክወፀሎም ዝግብኦም ደቀቕቲ ጉዳያት ብጥልቀት ተመርሚሮም መፍትሒ ሓሳባት ክህቡ ዝኽእሉ መምርሒታት በቢእዋኑን ከከም ኣድላይነቱን እናተሓገጉ ክወፁን ንተግባራዉነቶም ድማ ምክትታልን ኣገዳሲ ይመስለኒ፡፡

ፍልፍል ፅሑፍ-ካብ ዝፈልፈለ ይፈልፍል እቲ ሓሳብ ጥራሕ መዝኖ!!

********

Guest Author

more recommended stories