ስብእና ደቂ ሄዋን ኣብ መፅሓፍ “እናኸድካ ምፅባይ”

(ሓዳስ በርሀ)

መፅሓፍ:- እናኸድካ ምፅባይ

ደራሲ:- ኣቤል ጉዕሽ

ኣብ ሙሉእ ፀሊም ሰማያዊ “blue black” እንብሎ ዓይነት ሕብሪ ዝዓረፈ ዝተጠቕለለ ፃዕዳ ወረቐት እንትዝርጋሕ ካብ ውሽጡ ዓይንኻ ሕዝ ዘብል “catching” ብ ፃዕዳ ሕብሪ ዝተፅሓፈ “እናኸድካ ምፅባይ” ዝብል ፅሑፍ ንርኢ፤ እዚ ደራሲ “ኣንቲ ውእቱ ፍቕሪ” ከምኡ እውን ኣብ መድረኽ ኪነጥበባት ትግራይ ‘’መሽኪት’’ ተሸላሚ ዝነበረት “ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ?” ዘርእስተን መድብላት ግጥሚ እንፈልጦ ገጣሚ፣ ደራስን ጋዜጠኛን ኣቤል ጉዕሽ ዝደረሳ መበል 3ይ መፅሓፍ እዩ መፅሓፍ “እናኸድካ ምፅባይ”፡፡

እዚ መፅሓፍ እዚ 16 ጉንበት 2009ዓ.ም ብዕሊ ንመንበብቲ ዝበቕዐእዩ፡፡እዚ መፅሓፍዋላ’ኳ ቅድሚ ናብ ሕተመት ምብቕዑ ናይ ምንባብ ዕድል ገጡሙኒ እንተነበረ ንካልኣይ ግዘ ኣብ ዘንበብኩሉ እዋን ግን ብዙሕ ነገር እንምሃረሉ መፅሓፍ ትግርኛ ምዃኑ ክዕዘብ ክኢለ እየ፡፡ ባዕሉ እውን ንትሕዝቶ እቲ መፅሓፍ እንትገልፅ ’’ ወግዒ እዩ” ይብለና ብሓፂሩ፡፡

ኣብ ወግዒ እዚ ፀሓፊ ክስመረሉ ዝግባእ ነገር እነተሃለወ ብዘይካ እቶም ፍልፍል ጠቂሱ ዘቀመጦም ናይ ስም፣ ቦታ ወይ ታሪክ ምምስሳል እንተሃልዩ ኣጋጣሚ እዩ እምበር ምስ ማንም ሰብን ጉዳይን ዝትሓሓዝ ከምዘይኮነ ፃሓፊ ኣብ መእተዊኡ ይጠቅስ፡፡

ወግዒ እኩብ ዝተፈላለያ ታሪኻት ጉዕዞ ኣቤል ጉዕሽ ኣብ 14 ዓበይቲ ምዕራፋትን ኣብ 286 ገፃትን ዝተሰነደእዩ፡፡ እዚ መፅሓፍ ኣብ እተንብበሉ እዋን እቲ ሰሓቑን ፀዋትኡን ዘይስልቹ (ብኣካል ንእንፈልጦ) ኣቤል ኣብ 16 ቡና እናኣንገደ ዘዋግዐካሎ ክመስለካ ይኸእል እዩ፡፡ ብተመስጦ እንተደኣ ኣንቢብካዮ ሃንደበት ክምስ ዘብል ነገር ኣይትስእንን አረ በይንኻምዃንካ ረስዒኻ እውን ካዕካዕ ኢልካ ብስሓቕክትሞት ክትብልትኽእልኢኻ፡፡

እዚ ጥራሕ ከይመስለካ፤ በዚ መፅሓፍ ኣቢሉዓይንኻ ንብዓት ቋፂሩ ዘንብዐካታሪኽ እውን ከውግዕካ እዩ ኣቤል፡፡ካብዚ ብላዕሊፅሑፉ ሓፀርትን ወግዓውን ምዃኖም ድማ ብዘይ ምስልቻው ክነንብቦን ፍልጠት ካብ ምቅሳም ንላዕሊ ከዘናግዑና ይገብር፡፡

ኣቤል ዘይተንከፎ የለን። ፅባቐ እንተበልካ ቁንጅና፣ ታሪኽ እንተበልካ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ እንተበልካ ማሕበራዊ ናብራ፣ ፍትሒ እንተበልካ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ሃገር እንተበልካ ትግራይ፣ ሓዘን እንተበልካታሕጓስ፣ ሓቦ እንተበልካ ጅግንነት፣ ክረምቲ እንተበልካ  ሓጋይ….. ታይ ሞ ቀርዩ ኩለን ኣብ ሓንቲ መፅሓፍ እናኸድካ ምፅባይ ይርከባ። ነዚ መፅሓፍ መፅሓፍ ዘበሎ ሓደ ዓብዪ ነገር ፍልፍል ሓበሬታ ምክታቱ እዩ፡፡

ኣቤል ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ወግዕታቱ ይኹን ተገንፎታቱ ዘለዎም ርትዓውነት ዘጠናኽሩ ናይ ባዕሉ ሳይንሳዊ መፅንዓትታት ሓዊሱ ኣብ ሃገርና ኢሉ እውን ዓለምና ዝፍለጡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝርከቡ ሰብ ሞያታት ዝበልዎን ዝፀሓፍዎን መጠናኸሪ ፅሑፉ ንክኾኑ ኢሉ ብሓበሬታ መልክዕ ኣቐሚጡልና እዩ፡፡ እዚ ኣቤል ፀሓፊ ጥራሕ ከይኮነስ ኩለመዳያዊ ጎበዝ መንበባይ ምዃኑ እውን ክንዕዘብ ይገብረና፡፡

ከም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብዚ መፅሓፍ ትኹረተይ ዝስሓቦን ነዚ ፅሑፍ ክፅሕፍ ዘልዓዓለኒ ሓደ ዓብዪ ነገር ኣሎ፡፡ ንሱ እውን ኣቤል ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃቦ ዋጋን ትርጉምን እዩ፡፡ ኣብ ነንሕድሕዲአን ኣርእስቲ ፅሑፋቱ ብውሑድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣላ፡፡ ጓል ኣንስተይቲ ዘይብሉ ዋላ ሓደ “article” የለን ምባል ይከኣል፡፡ እሞኸዓ ጎበዛትን ቆናጁን ደቂ ኣንስትዮ፡፡ ጓል ኣንስተይቲ መግለፂ ፅባቐን ጉብዝናን ምዃና ኣቤል ብደንቢ ጌሩ ይምስክር፤ ብብርዑ የሪኤና ድማ፡፡

ስለዚ ካብዚ ቐፂለ ትኹረተይ ኣብቲ ብዓለም ደረጃ ዓብዪ ርእሰ ጉዳይ ዝኸውን ዘሎ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ፣ ስርዓት ፆታን ማሕበረሰባት ነዚ ዘለዎም ኣረዳድኣን ብዓይኒ መፅሓፍ “እናኸድካ ምፅባይ” ምድህሳስ እዩ።

ቁፅሪ ሓደ ገፅ መፅሓፍ እናኸድካ ምፅባይ ክኽፈት እንተሎ “16 ማእኸል ስሕበት ከተማ መቐለ” ዝብል ኣርእስቲ ይርከብ። ቀበሌ 16 ከተማ መቐለ እያ፡፡ እታ ኣብ ዓይኒ  ትግራይና ዝኾነት ከተማመቐለ ትርከብ  16 ብምንታይ ፆታ ተገለፀት ምባል የድሊ። ኣቤል ኣንስተይቲ እዩ ጌርዋ፡፡ መቐለናስ እንተኾነት? ኣታ ዝበሃል መቐለ ዶ ኣለና እዩ? የለን፡፡ እሞማ ካፍታ ብተለምዶ እንፈልጣን እንሓስባን ንላዕሊ ጉደኛ ዝኾነት ቀበሌ 16 ብደንቢ ጌሩ የዛውረና ኣቤል፡፡

ኣብዛ ርእሲ እዚኣ ካፍታ ናይ ቀደም ደማቕን ዋዕዋዕታ ዘይፍለያን ቀበሌ 14 ጀሚሩ ቀበሌ 16 እውን ኣዛዊሩ መቐለና ለ ብደንቢ ገሊፁ ይዛዝማ፡፡ኣቤል 16 ኣብ ውሽጣን ዙርያኣን ዝሓቖፈቶም መዓት ጉድ እንተርእየና “ወይለከ 16ባ ካብ እንዳ ቡንን ቢራን ዝዘለለት ረዛን እያ” ክትብል ኢኻ ትግደድ፡፡

Photo - Abel Guesh book - Enakedka Mitsbay
Photo – Abel Guesh book – Enakedka Mitsbay

ኣብዚ ወግዒ ዘለዋ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮሞ ክንደይ ኢልካ ክዝርዘራ።  ሽሾ እየን፡፡ እሞ ከዓ ክፅብቓ፡፡ ንሰንን ፅባቕአንን፣ ንሰንን ጉብዝንኣንን ንበይኑ ዓይነት እዩ፡ ነንሕድሕዲኡ ገፅ ክተንብብእንተለኻ እዚ ዝብሎ ዘለኹ እንታይ ማለት ምዃኑ ምርድኡ ቀሊል እዩ፡፡ነገር 16 ኣብዚ ኣይተወድአን ምስ ኣቤል ዘትዓዛዘበንን ዘይተስማዕማዕኹሉን ሓደ ወግዒ ኣሎ ኣፍቲ መወዳእታ ወገን ክምለሰሉ እየ፡፡ ወዮ ነገር ገጣሚ ኣብዛ ርእሲ ዘስፈራ ሓንቲ ግጥሚ ክጋብዝ እሞ እቲ ዝተረፈ ኣንበብቲ ባዕልትኹም ክተንብብዎ፡፡

“መቐለ ዶ ምኮንኪ ዓባይ ከተማ

ንስኪ ዶ ምኮንኪ ኣንበሳ ዝዓይማ

መቐለ ዶ ኢሎምኪ በዓልቲ ግርማ

ካሕ ዝበልኪ ፍጥረት ሽክና ማይ ሑርማ”

 “ረመዳን ከሪም“ ይብል ካልኣይ ወግዒ ኣቤል፡፡ ኣብዚ ርእሲ እዚ ዘይተብሃለ ዘይተገለፀ ጉድ የለን፡፡ ብዛዕባ ኣፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ቦታ የዘንትወና፣ ፍቕርን ሓድነትን ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ተጋሩ ዘይበሎ የለን፣ ረመዳን ወርሃ ፆመ ኣስላም ጥራሕ ከምዘይኮነን ኩሉ ሕብረተሰብ እርንብ ዝብለሉን እዋን ከምዝነበረ፣ እስላመይትን ክስታነይትን ኣደ ምፍላይ ከምዝኸብድ (ኣከዳድንአን፣ ኣዘራርብአን፣ አረ ኣብ እንዳ ሓዘን እውን ኣበኻኽይአን ሓደ ዓይነት እዩ ነይሩ) ብምባል ይገልፀልና፡፡

ኣብ ትግራይ ሓጎስ፣ በሪሁ፣ ሓዱሽ …….ስም ኩሉ ሃይማኖት እዩ ኔሩ፡፡ ከም ታሪኽ ምፅላል ዝብል ስም ስም ጓል ቀሽን ጓል ሓጅን ከምዝነበረ ክምዝገብ ኣለዎ” ይብል። ኣቤል ካብ መቐለ ናብ ተንቤን እናኸደ ረዳት እታ መኪና “ናማርያም ናማርያም” ይብል። “ክልተ ፍቑራት እዮም ኢለ ዝሓሰብክዎም ሰባት” ይብል ኣቤል 10 ቅርሺ ሂቦም፡፡ ናመን? ናማርያም፡፡ ኣቤል ከ ክንደይ ድዩ ሂቡ? 50 ሳንቲም፡፡ ካሊእ ሓንቲ ክውስኽ እሞ ትዝተረፈ ኣንበብቲ ሃሰስ ክትብልዎ፡፡ “…. ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃለኩኣብ ጎማ ‘ሃይላንዲ’ ሽሩፍ ሳንቲም ንዓቁር ኔርና” ይብለና ኣቤል፡፡

ኣብ መወዳእታ ወርሃ ረመዳን እዘን ዝተኣከባ ሰናቲም ዓብድራሕማን ምስ ዝበሃል መሓዝኡ ኮይኖም ኣብ ክልተ ማዕረ ይመቕልወን እሞ እታ ሓንቲ ንመስጊድ እታ ካልአይቲ ን’ዳ ኣብነ ኣረጋዊ ይህብወን፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ሓድነት ደኣሞ ታይ ኣሎ?ኣብ ትግራይ ሃይማኖት ናይ ውልቀ ባህሊ ግን ናይ ሓባር ዝበሃል እዩ ኔሩ፡፡” ሐዚ ኸከምኣ ደለና? እንድዒ፡፡ እናበለ ዝነበረን ዘሎን ሃይማኖታዊ ምክእኣል ይትርኽ።  እስኪ ሙሉእ ታሪክ እዛ ወግዓዊ ፅሑፍ ኣንብቡ እሞ ናይ ባዕልኩም ርኢቶ ክተቀምጡ፡፡

ኣቤል ኣዛዊሩ ኣዛዊሩ፣ ዝኩሉ ነገር እናነገረና ፀኒሑ ከ ናበይ ድዩ ክወስደና? ናብ ሰሚራ፡፡ ሰሚራተይ ይብላ ባዕሉ እውን ተኮነስ፡፡ ሰሚራ ትበሃል ወፍ ዘበለቶ ሓንቲ ፅብቕቲ እግራ ጓል ኣንስተይቲ፡፡ ቁንጅና ጓል ኣንስተይቲ ካብ ገፅን ፀጉርን፡ ስንን ዓይንን፣ ዳሌን መዓንጣን ሓሊፉ ኣብ ኣፃብዕቲ እግሪ የርእየና፡፡’ ኣብዚኣ ለ ሓንቲ ግጥሚ ኣላ ክእንግድ እሞ ናፍተን ካልኦት ፅሑፋቱ ክሰግር።

“ኣብ ዓይንኺ ዓይነይ ንዓይንኸ

እንትርእዮ ርእየ ዓይነይ ኣብ ዓይንኺ”

ሰሚራ ኣይኮነን ኣቤል ትብብርዑ ዝከሸናኣነኳስ ፎትየያ ክሞት ኢለ፡፡ ቁንጅና ሰሚራን ሓድነት ሃይማኖት ተጋሩን ኣድኒቕካ “ቅኔ ባድመ” ናብ ዝሰመያ ፅሑፉ ድማ ትሰጋገር። መንገዱ ሽረ እንዳስላሰ ጌሩ ኣብ ሸራሮ እንዳ ሰላም ትበሃል እንትትስሕቕ ኣዕይንታ እትው ዝብላ ተፈታዊት ቆልዓ ቡን ሰትዩ“ክልተ ደቂ ሓንቲ ኣደ ናብ ዝተዳመዩላ እሞ ዓዲ ካብ ማህፀን ከምትዓቢ ናብ ዝተመስከረላ ቦታ፣ ህዝቢ ናብ ዝተባልዐላ….” ዓዲ ናብ ባድመ ጥብ  የብለና ኣቤል፡፡ ዋእ ኣብ ባድመ ሞብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ሓተታት ኣለዉ፡፡

መቸም ኣፍቲ መጀመርያ ከምዝበልክዎ መፅሓፍ እናኸድካ ምፅባይ ክፈትዋ ዝገበረኒ ሓደ ዓብዪ ምኽንያት ኣቤል ዝሓንፀፀን ሸሾ ደቂ ኣንሰትዮ ምህላወን እዩ፡፡ እሞ ከዓ ከመይ ከም ዝገልፀን፡፡ ኣብ ባድመ ከይዱ እምበይተይ ትውረስ ዝበሃላ ሰበይቲ ድማ ረኺቡ፡፡ ”ክሳብ ጉንዲ እዝነን ከም ፅሑፍ ምህረይ ዘነበ ሕንፅፅ ዝበለ ውቃጦ ዘለወን፣ ፅፁይ ዓተር ዝመስል መልክዐን ካብ ማዕዶ ዝፅውዕ ቆንጆ ሰበይቲ” ይብለን ንእምበይተይ ትውረስ፡፡ ምስአን ዘዋግዖ ‘ጮማ’ዝኾነ ወግዒ ከካፍለና ንድሕሪት ኣይበለን ኣቤል ኣብ ቅነ ባድመ፡፡

ንባድመ ከይዱ ከ እንዳ መን ድዩ ዓሪፉ?  እንዳ እምበይተይ ትብለፅ፡፡ሕዝስ ናማን ድዩ ዳ ሰብኡት ተሳኢኑ ኮይኑ? ይህልዎ ደኣ…….ናብ እንዳ ኣንስቲ ዘብሎ፡፡ እዚ ብርዒ እቲ ደራሲ ንደቂ ኣነስትዮ ከመይ ከምዝስእል ሓበሬታ ዝህብ እዩ ዝመስለኒ።

በዓልቲ ዓጋመ እየ ዝበልኦ ማማ ትብለፅ ጓል 76 ዓመት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ እየን፡፡ ደስ ዝብል ስምዒት ኣለወን ይብለን ኣቤል፡፡ ይስሕቓ፣ ይፃወታ፣ ይሓታ………ኣብዛ መፅሓፍ እዚኣ በዚ ዕድመ እዚ መንፈሰን ክዳኸማ ዘይገበረን ኣደ ትርኢ። ኣፍታ ክንዲ ገምበር ብዕራይ እያ ትኾን ዝበላ ከተማ ባድመ ብውሕዱ ሰለስተ ቀልቡ ዝስሓብኦ ደቂ ኣንስትዮን ወግዕዐንን እንሆ ኢሉና ኣሎ’ሞ ኣንበብቲ ንቀደም በሉታ፡፡ ዘልመድካ ኣይትኽላእ ስለዝኾነ ካብቲ መፅሓፍ ሓንቲ መሰጋገሪት ግጥሚ….

“ክልተ ደቂ ሓንቲ ሃገርማዕረ ኣብ እትበፅሖም ሃገር

እቲ ሓደ እንትጎይይ ክህገርእቲ ሓደ ግን ይቅልጥፍ ክህግር”

ካብ ባድመ ምስ ተመለስካ “ስብሃል ለከ ስብሃት!” ዝብል ርእሲ ዘለዎ ፅሑፍ ትረክብ። ንመን ስብሃት እዩ እቲ ፅሑፍ ዝገልፅ የለን። ብዛዕባ ሰብ ምዃኑ ግን ግልፂ እዩ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ፅሑፍ ድማ ንኣቦይ ስበሃት (ስብሃት ነጋ) ይመስል። ኣብዚ ዝተቐመጠ ኣድናቖትድዩክብሃል ናእዳ፣ ምስጋና ድዩ ክብሃልምረቓኮታስ እቶም ጅግና ተጋዳላይ ኣቦይ ስብሓት (ኣነ ከምዝመሰለኒ) ንዝገበርዎ መስዋእትነትምስጋንኡ የብፅሕ፡፡

”ምስ ኩሎም ንስኻ ዝነበርካሉ እዋን ዝነበሩ፣ ዝሓሰብካዮ ዝሓሰቡ፣ ዝሓሰብዎ ዘተግበርካ፣ ኣብ መድረኻትካ ዝነበሩን ብመድረኻቶም ዝሓለፍካን ምስ ኩሎም ቤዛ ህይወትና ህይወቶም ዝሃቡ ደቂ ህዝቢ ሰሪዕና ስብሃት ለከ ንብለካ!’’ ይብል ኣቤል፡፡ እዚ ሓደ ፀሓፋይ ከምቱ ኣቤል ባዕሉ ዝበሎ ዘበኑ እንትስንድ ዝመፅኣሉ መንገዲ ርእዩ ነቲ ፅቡቕ ክንእድ ነቲ ሕማቕ ክነቅፍ ስለዘለዎ ብእወንታ ይውሰድ።

ሕዚ ናብ “ዓዲ ኣውዓላ” ነብል፡፡ መዘክር ጉዕዞ ዓዲ ኣውዓላ “ዓዲ አውዓላ  ዓዲ ዛንታ ዓዲ ተስፋ” እያ እትብል። ኣብዚ ፅሑፍ እዚ እቲ ርእሲ ባዕሉ ብዙሕ ከዘራርብ ዝኽእል እዩ። ዛንታን ተስፋን እዮም እንታይ እዩ ዘዛምዶም? ይኹን እምበር ብመሰረት መበገሲ ፅሑፈይኣብ ዓዲ ኣውዓላ ኣቤል ፈውሲ ሃተፍተፍ ትኾኖ ጓል ኣንስተይቲ ኣይሰኣነን፤ ኣብዚ ድማ ምስ  ማማ ዘነቡ የላልየና።

ማማ ዘነቡ ልክዕ ከም እምበይተይ ትብለፅ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ እየን። ምስኣን ውዒሉ ፅራይ ስውአን ናገፈፈ ኣውግዕ ዝውዓልኦ ቁምነገር እዩ ዘካፍለና’ሎ፡፡ “እምባ ጢዙን ገቦ ዓጣሪትን” ትፈልጥወን ዶ? ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ዝነበረ መሓዛይ መምህር ወ/ጀወርግስ ሓደ እዋን ኣብ ፌስቡክ ገፁ ዝፀሓፎ እዩ ኣዘኪሩኒ፡፡ ኣወፃፅኣ ስም ዓድና ዝገርም እዩ፡፡ እምበኣይ ኣቤል እዘን ታሪኻዊ እምባታት ናይምርኣይ ዕድል እውን ገጢምዎ፡፡ብብርዑ ትንክፍ ኣቢልወን ይሓልፍ።

ምስ ማማ ዘነቡ ዳርጋ ሙሉእ መዓልቲ ጨጨም እናበለ ኣብዝወዓለሉ ግዘ ዓዲ ኣውዓላ ቅድም ቀዳድም ከመይ ዝበለት ከተማ ምንባራ ድሕሪ ውግእ ኢትዮ ኤርትራ እናተዳኸመት ከምዝመፀት እንትገልፃሉ ” ናይታ ከተማ ምድኻም ሓደ ህዝቢ ክልተ ምስ ኮነ ዕፃ ዓዲ ኣውዓላ እውን ክልተ ኮይኑ ኣይ ሞት ኣይ ልደት” ይብላ፡፡ ንፖሊሲ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት(No peace No war)  ኣብ ታሕቲ ዘሎ ማሕበረሰብ ከመይ ከምዝገልፆ ፅቡቕ መረዳእታ ኣቐሚጡ፤ ኣቤል።

“ትግራይ ንእሽተይን ክባርን እያ” ወይድማ “tigray is too small to divide and too big to fall” ክበሃል ሰሚዕኩም ዶ ትፈልጡ? ሰይፈ ሃይሉ ይበሃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ አዩ ዘምህር፡፡ ብጣዕሚ ንፉዕ መምህርን ምሁርን እዩ። ሰለስተ ዓመት ኣምሂሩኒ፡፡ እዛ ቃል ድማ ኣብ ክፍሊ እንተምህረናን ብኣብነት እንትገልፀልናን ኣይርስዓን። ኣቤል ድማ ብዝበለፀ ገሊፅዋ ኣሎ፡፡ ኣንባቢ እታ መፅሓፍ ምስ ኣንበበ እሞ ታይ ማለት ምዃና ምስትረደኦ ክገርሞዝኽእል ይመስለኒ። ብዛዕባ እዋናዊዝኾነ ሕቶ ልምዓት ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ እውን ምስ ማማ ዘነቡ ኣዋጊዖም እዮም ልጅ ኣቤል፡፡

“ደሓን ወዓሊ ዓዲ ኣውዓላ

ደሓን ኩኒ ዓዲ ዛንታ

ክምለሰኪ እየ ዓዲ ተስፋ“ እናበለ እዩ ምስ ብርዒ ኣቤል በዓልቲ ምሉእ ልቢ ገይሩ ዝፈጠረን ማማ ዘነቡ ዝነበሮ ወግዒ ዛዚሙ ዝተመለሰ፡፡

ከባቢ ፍርቂ ገፅ መፅሓፍ እናኸድካ ምፅባይ ምስ በፃሕካ “20 ጉንበት ኣብ ባህርዳር” ዝብል ርእሲ ትረክብ። መዓልቲ 20 ጉንበት፣ ደርጊ ዝወደቐሉ ዕለት ኣብ ታ ውቅብቲ ከተማ ባህርዳር ናይ ምኽባር ኣጋጣሚ ተፈጢሩሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተዓዘቦም ትዕዝብትታትን ዘጋጠሞ ተገንፎታትን ኣፍቲ ገምገም ዝሰፍሐ ቃላይ ሃገርና ዝኾነ ቃላይ ጣና ኮይኑ እዩ ዘዋግዕ፡፡ ንከተማ ባህርዳር እንፈልጣን ዘይንፈልጣን ክኾን ብዝብል ይመስል ፅባቐኣን ቃላያታን፣ ደሴታታን ገዳማታን ብሓሳብ የጎብንየና፡፡ 37 ደሴታትን 19 ገዳማትን ቃላይ ጣና የዘንትወና፡፡

ብዛዕባ ፅሑፋት ደራሲ ይስማእከ ወርቁ እውን ገለ ይብል ኣብ ወግዑ፡፡ ኣቤል እኮ ደፋር እዩ፡፡ ብምናቡ ፀጋዬ ሃይለማርያም ኮይኑ እውን ምስታ ናይ ኦሮማይ ውቅብቲ ፍያሜታ የውግዕ፡፡ ኣነ እኳ እታ ፅብቕቲን ተራርን ጓል ኣነስተይቲ እትምእርር ብርዑ ዝገበረቶ እዩ ዝመስለኒ።ከባቢ 20 ጉንበት ትኸውን ተሎ ኩልግዜ ካብ ቴሌቪዝን ኢትዮጰያ ዘይትጠፍእ “የማያልፉት የለም ያ ሁሉ ታለፈ” ትብል ደርፊ ትዝክርዋ ዶ? ደራሲ ዜማ እዛ ደርፊ መን ይመስለኩም? እያሱ በርሀ፡፡ እዚ እውን ኣፍቲ ወግዒ ይርከብ፡፡

ኣብ ባህርዳር ፈላሚት እንዳ ፅሟቕ ናይ መን ትመስለኩም? ፍስሃ ናይ ዝብሃል ሓደ ጎበዝ ትግራዋይ እዩ፡፡ “እንደው ይሀው ትግሬ ማንጎውን እየፈጨ እርጎ ሲያረገው ኣየሀው?” እናበሉ ያ እዮም ተላሚዶምዋ ፅማቕ ምስታይ፡፡” እናበለ እናዋዘየ ታሪክ ይነግር። ሓደ ኣንባቢ እታ መፅሓፍ ኣብዚኣ ምስ በፅሐ “ኤህ ደኣ ዝኹሉ ረሲዖም እዮም ኢዶም ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ምልዓል ዝጀመሩ?” ክብል ይኽእል።

ኣቤል ሐዚ እውን ስርሑ የረሰዐን፡፡ ወዮ ጉንበት 20 እንድዩ እኒሀ፤ ኢሉ ተገደፈስ ኣፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጭርሓስ ምልእቲ ሰበይቲ፡፡ ነገር ጓል ኣንስተይቲ ዘየኽእሎ ኣቤል ጨራሒት ጌሩ ለለ ኣምፅአን፡፡ “የኣብዮታዊ እና ዴሞክራሲያዊ መንግስታችን ትሩፋቶች……” ዶስ ታይ ዶስ እናበላ ዝጭርሓ ዝነበራ ሰበይትስ ኣፍቲ ትማሊ ብቅድም ትማሊ ጉድ ዓይኒ ዘበለ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ከተማ ባህርዳር “ወያኔ ይውረድ” ዝብል ጭርሖ ዝሓዛለስ ሰበይቲ እየን ይብለና ሎ፡፡ ለግነይኦ ዘን ኣንስቲ፡፡ ብዛዕባ ናይ ቀደም ፖሊ ቴክኒክ ናይ ዝነበረ ናይ ሎሚ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር እውን ይተናኽፍ። መሊኡ ዘንበበ ሰብ ተጋደልቲ ህወሓት ጉዕዞ ማእኸል ሃገር ዘጋጠሞም ክምስ ዘብል ተጓንፎታት እውን ኣብዚ ርእሲ እዚ ይርከብ።

በትሪ ሽዋ፣ ናማኪ ኩናማን ትግራይ ዶ ትሕረስ እሞ ክንደይ ኢልካ ክዝረበለን? ቅመም ዝኾና ክፋል እቲ መፅሓፍ እየን፡፡

ኣቤል ብርዑ ኣብሊሑ ካብ ፀጉሪ ርእሳ ክሳብ ፅፍር እግራ ዝኸሸና ካሊእ ጓል ኣንስተይቲ፤ “ፀላም ዋዕሮ!” ቅሳነት ድማ ትብሃል፡፡ ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ እናሃለወ ዝፈለጣ “ክራሹ” እያ ደሓርስኳ ቀኒዕዎ ግዲ በዓልቲ እንዳይ ኢልዋ፡፡ ቅሳነት ፅባቐጓል ኣንስተይቲ ካብ ቀያሕን ዳማን ወፃኢ ተርእየና ውቅብትን ምህርትን ፀላም ጓል ኣንስተይቲ እያ፡፡ ኣብዚ ወግዒ ኣቤል፤ኣብርሃም ኣፈወርቂ እውን ንረኽቦ ኢና፡፡ ደርፍታትን መልእኽትታትን ኣብርሃም ኣፈወርቂ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ የዘንትወና፡፡

ኣነ ነዚ ደራፊ እንትሓስብ ሃሁ ዝበሃል መሓዛና እዝክር፡፡ ንኣብርሃም ንፈለማ እዋን ክሰምዖን ደርፍታቱ ከስተማቕርን ዝገበረኒ ዓብዪ ሰብ እዩ ሃሁ ማለት፡፡ ሃሁ ኣብ ሓደ መድረኽ ብዛዕባ ኣብርሃም ካብ ዝበሎን ኣብ መፅሓፍ እናኸድካ ምፅባይ ካብ መዘክር ፅሑፋት ቅሳነት ዝተወሰደን ቁሩብ ከካፍለኩም፡

“ኣብርሃም እኮ መሲህ እዩ! ኢሉ ይጅምር……ጡብ ኣደይ እንትዝክር ናብ ሕልናይ ዝመፅኣኒ… ” ባህርያትኪ ፍረ ለዋህ ባህሪ” እናበለ ዘልኣለማዊነት ባህሪ ኣደ ዝሰብከኒ…ኣደይ መልክዕን ልክዕን ነብሰይ ምዃና ዘዘኻኽረኒ።

ኣብርሃም እኮ መሲህ እዩ! ኣብ ነብሲ ወከፍ ወጋሕታ ጩራ ብርሃን ዝኾነኒ “ምንባር ንጉሆ ንጉሆ ምጅማር” እናበለ በብመዓልቲ ክፍጠር ኣብ ነብሲ ወከፍ ደቒቓ ብካልእ መልክዕ ክቕረፅ ከም መብረድ እናሰሓለ ልደት ክደጋግም ዝገብረኒ።

ኣብርሃም እኮ መሲህ እዩ! ፀገመይ ዝካፈል ሓጎሰይ ዘማዕብል ዓቕሚ እናፈጠረ ብድሆታት ዘሳግር…. ህይወት ዘለማምደኒ “ካብቲ ሕማቕ ዝገጥመኒ፡ ኩሉ ኣይኮነን ዝጎድኣኒ።” እናበለ ኣተሓሕዛ እታ ዕሾኽ ዝዓብለላ ዕንበባ ፅጌረዳ ዝምህረኒ።

ኣብርሃም እኮ መሲህ እዩ! ኣብ ፅባሕ ዝነብረሉ ምስጢር “ተስፋ እዩ ዓቕመይ” እናበለ ዝነግረኒ፡፡ ጠጠው ኢሉ ዝሓደረ ታሪኸይ ዘምህረኒ፡፡

ሰማይ እዩ ደረተይ እንትብል ደረት ሰማይ ክረክብ ሃንቀው ዘብለኒ፡፡ ማዕረ ሃንቀውታይ ክነብር ኣብ ተስፋ ዝብሃል ፈረስ ዘስርረኒ፤ ንሱ ክኣምን እውን ዘኽአለኒ። ኣብርሃም እኮ እዩ እምነታተይ ሕግታት ህይወተይ ክኾኑ ዝገብረኒ።

መሲህ እኮ እዩ ኣብርሃም! ናፍቖት ብኣብርሃም እንትግለፅ ይዛሪ። ፍትወት ብእኡ እንትዝረብ ይውዒ። ፍቕሪ ብኣብርሃም እንትዝመር ይምቅር። ተስፋ በዚ ሰብ እዚ እንትስበኽ ይሰሪ። እሞሲ መሲህ እኮ እዩ ኣብርሃም።

ኣብርሃም ልዕልና ሰብኣውነት…. ክብሪ ሰብነት…. መቐረት ናፅነት…… ኣብ ቃንጫ መርዓት ዝመስላ ግጥምታቱ ኣስፊሩ።” ዝብል ሓተታ ስፍሕ ዝበለ ኣካል እቲ ርእሲ እዚ ሒዙ ኣሎ። ኣብተን ኣብዚ ዘለዋ ደርፍታት ኣብርሃም እውን ዝበዝሓ ምስ ፅብቕትን ፈቃርን ጓል ኣነስተይቲ ይተኣሳሰራ፤ ምርጫ ብርዒ ኣቤል እዩ።

ብፍቕሪ ቅሳነትን ጥበብ ኣብርሃምን ዝተለኸፈ ኣቤል ካብ ኣብ ታሕጓስን ፍስሃን ዘስምጥ ታሪኹ ኣውጊዑ እንተይኣወደአ ናብ ሃው ዝበለ ክትሰምዖ ዘደንፁ፤ ነገር ግን ናይ በብ ዕለት ተጓንፎ ሕብረተሰብና ዝኾነ ዋኒን የእትወና፡፡ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ሳዕቤኑን፡፡ ከምዚ ይብል ኣቤል….

“…እዛ ጎይያ ዘይመነወት ኣብ 14 ዓመታ ዝተመርዐወት ጎርዞ ገና ነብሳ ከይተርንዐ ዝፀረቶ ጥንሲ ሕርሲ ብዝብሃል ጉልባብ ተሸፊኑ ሞት…” ብዛዕባ ዝወሰዳ ሓፍቱ የውግዐና፡፡ ሓዘን ሓፍቱ ልቡ ዝሰበሮ ሓውና ንብዓት ኣዲኡ እንትርኢ “ኣብ ናይ ንጉሆ ፀሎትካ… ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንብዓት ወላዲት ዝርኢ ውሉድ ኣይትግበረኒ በል።

ኣብ ናይ ምሸት ፀሎትካ…. ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሞት ውሉድ ዝርኢ ወላዲ ኣይትግበረኒ በል። ክልቲአን ንፀላኢኻ እኳ ኣይትመነየሉ።” ብምባል ይመክር። ኣቤል ንፍቕረኛ፣ ኣቤል ንሓፍቲ፣ ኣቤል ንኣዶ ከመይ ይገልፀን? እዚ ናይዚ ርእሲ ዓብዪ ኣካል እዩ።

እዚ ኢሉ ናብ ቅሳነት ይመልሰና፡፡ ንመጀመርያ እዋን “ትፈትወኒ ዶ?” ኢላ ብዛዕባ ዝሓተተትኩም ፍቅረኛኩም እትምልሱላ መልሲ እናሓሰብኩም እተንብብዋ እያ እዚኣ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሃንደበት ከይሓሰብከምዎ ንመጀመርያ ግዜ ብእትፈትውዎ ሰብ ዝተስዓምኩምሉ እዋንን ኣፍታ እዋን ንሳ ዝተሰምዐኩም ስምዒትን እውን ከይትርስዑ ኣቤል ናይ ባዕሉ ኣለዎ ከዋግዐና እዩ፡፡

ብዛዕባ ሓዳር እውን ዝብሎ ኣለዎ ኣብ ፀላም ዋዕሮ

ሓዳር ማለት ንኣቤልን ቅሳነትን“ክልተ ዝፋተዋ ነብስታት ብሓደ ዝነብራሉ ናይ ህይወት ከይዲ እምበር “ሀ” ኢልካ ዝጅመር ሓዱሽ ህይወት ኣይኮነን። ሓዳር “ሀ” ኢልካ ዝጅመር ናይ ህይወት ምዕራፍ እንተኾይኑ ከይድካ ከይድካ ኣብ “ፐ” ምብፃሕካ ኣይቐርን እሞ ኣለሻ ካልእ “ሀ” ኢኻ እትወፍር። ወይ እቲ ገፅ ንባብ ንሱ ይዕፆ” ብምባል ይገልፅዎ፡፡ ነዚ ከርድአና ዝፍትን ዝርዝር መርትዖታት እውን ከየስፈረ ኣይሓለፈን ፀሓፊና፡፡

እቲ መልእኽቲ ኣፅብብ ኣቢልና እንትንሪኦ ከምዚ እዩ፤ ሓዳርግበር! ግንእዘንዝስዕባነጥብታትኣማልእ።

ቀዳማይ፤ ዘሕምም (ከምቲ እምኒን ስንኻ ዝገብሮ) ነገር ከጋጥመካ እዩ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ኣጥሪ።

ካልኣይ፤ ዘይጥዕም (ከምቲ ዝቆርጠምካዮ እምኒን ዝቖሓምካዮ ቆሎ ዘበላሽዎ) ከጋጥመካ እዩ ዋላ እንቱፍ በሎካል እንምቑሓም (እወንታዊ ጎኒ እቲ ሰብን ምርኣይ) ድልዊኩን።

ሳልሳይ ዋላ ሓዳር ተዘይገበርካ ፀገም ኣይብሉን ፤ቆሎ ተዘይበላዕካ ቅጫት በልዕከ ምማለት እዩ።

ኣብ ፀላም ዋዕሮ እትብል “ኣርቲክል” ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ኣለዉ። “መማህራና ዘይተኽብር ሃገር፤ ዘኽብርዋ ዜጋታት ኣይትፈጥርን።” ብዝብል ዓብዪ መልእኽቲ ዝተሰነደ ምስጋና ሓዘል ወግዒ እውን ኣሎ፡፡ ኣብተን ኣለዋ ዝብሃላ ዩኒቨርስታት ተመሪቖም፣ ኣብከተማ እዘን ዩንቨርስታት ትኩስን ዙሑልን ርእዮም፤ ማቻ ናብራ ከተማ እናፈለጡ… ኣብ ሽንጥሮታትን በረኻታትን ትግራይ ብሞያ  መምህርነት ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናት፣ እታ ሰሙን ዘይተብልዕ መሃይኦም ሒዞም መምህርነት ብዝብሃል ክቡር ሞያ ተቐቢኦም ኣብታ ህዝቦም ዝውዕላ እግሪ ጊንዳዕን ሰራውን ዝውዕሉ መማህራን፣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ወረዳታት ካሜራ ተሰኪሞም ፎቖዶ ገደላት ዝውዕሉ ሰብ ሞያ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣ ፎቖዶ በረኻታት ምስ ገለ ደፈርቲ ክብሪ ህዝቢ ክቃለሱ ዝውዕሉ ኣካላት ፀጥታ፣ ሕግን ደንብን መንገዲ ዘኽብሩ ኣባላት ትራፊክ፣ ኮኹሒ እናፈንፅሑ ጎልጎል እናተርተሩ ወትሩ ኣብ ሓመድ ተቐቢሮም ሃገር ዝሃንፁ ስራሕተኛታት መንገዲን መጓዓዝያን፣

ህይወቶም ሂቦም ተስፍኦም ኣህጊሮም ሃገር ዝሕልዉ፣ ከምዛ ትርፊ ህይወት ዝሓዙ ኣብ ዕሙር ጓይላ ኲናት ዝስዕስዑ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፣ ሕርሻ ወኪላት ዝንተ ኣለም ኣብ ጭቃን ረግረግን፣ ወትሩ ኣብ ዘተን ጭቕጭቕን! መንግስቲ፤ ክሓልፈልናስ ሕርሻ ነዕብይ ኢሉ ። ካብቲ እዚኣ ዘፅደቐ ኣካል ንላዕሊ ዝድነቕ ግን ነዚኣ ሒዙ ሞተር ሳይክሉ ኣልዒሉ ምስ ሓረስቶት ሓረስታይ ኮይኑ ዝውዕል  ኮታስ በብዓውዲ ስርሑ ብሓቂ ብእውነት ክምስገኑ ዘለዎም ወገናት ካልእ ይትረፍ ምስግና ምተገበኦም።” እንትብል ኣብ ገጠራት ትግራይ ንዘለዉ ወገናቱ ወጊኑ ዝፀሓፎ ሰሓባይ ፅሑፍ ኣሎ፤ ኣብ ፀላም ዋዕሮ።

“ዓኽዋን ዓኽዋን” ይብል ቀፃሊ ርእሲ ወግዒ ኣቤል ብስራሕ ምኽንያትን ነባር ሕውነታዊ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ካብ ታሪኽ ክሳብ ሎሚ ብኪነትን ሚድያን ንምቅላሕ ዝዓለመ ዑደት እዩ፡፡ ጉዕዞ ናብ ሱዳን፡፡ ምስ’ዚ ጉጅለ እዚ ዝተጉዓዘት ብሕታዊት ጓል ኣነስተይቲ እውን ነይራ።” እናበለ እዩ ዝጅምሮ እቲ መዘክር ጉዕዞ። ኣብ ሱዳን ልዕልነት ደቂ ተባዕትዮ እምበር ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ገደል ዘእቱ ሕጊ ምህላዉ ዘርዚሩ ይነግረና ኣቤል ምስ ተጓንፎታቱ እናትሓሓዘ፡፡ ደቂ ኣንስትዮናብ ደቂ ተባዕትዮ  ዝኣትውዎ ሆቴል ክኣትዋኣይፍቀደለንን ንበይነን ዝተፈለየ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ዝብሃል መደቀሲ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ምስ ጓል ኣነስተይቲ ምውጋዕ ኣይፍቀድን፣ ኣብ መንገዲ ሰላምታ ክትለዋወጥ ደው ኢልካ ክተውግዕን ክትፃወትን ኣይከኣልን፣ ምስ በዓልቲ እንዳኻ እምበይ “ቦይ ፍሬንድ ገርል ፍሬንድ” ዝብሃል ነገር ኣይሰርሕን።ኣብ ሱዳን ጓል ኣንስተይቲ ዘይትትንከፍ ፍጥርቲ ኮይና እያ እትፍጠር። ኣብ ሱዳን ኣልኮል እውን ክልኩል እዩ። ሽጋራ ግን ታራ ነገር እዩ። ኣብ ካርቱም ዝበዝሕ ሰብ  ተጠቃሚ ከበድቲ ሓሽሻት እውን እዩ፡፡ ግብረሰደማዊነት ብፅጋብ ጀሚሩ ብዕንወት ዝዝዘም ህዝባዊ ውርደት እዩ።” ብምባል ብዛዕባ እዚ ኣፀያፊ ተግባር እውን ዝብለና ኣለዎ ኣቤል፡፡

ስርሑ ዘይርስዕ ኣቤል ሱዳን ከይዱ እውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከይረኸበ ኣይተመለሰን፡፡ ሓፂርን ምቁርን ዘረባ ዘቕረበት ቀልቢ ኩሉ ዕዱም ዝሰሓበት ኣብ መወዳእታ ሰላሳ ወይ መፈለምታ ኣርብዓታት ከም እትኸውን እትግመት ነብሳ ምልእልእ ዝበለት ፀላም ምቕልል ዝበለት ሰበይቲ እያ፤ኣቤል ሱዳን እንትኣቱ ምስ መኻይዱ ዝተቐበለቶም፡፡ “እዛ ጓል ኣንስተይቲ እዚኣ ዓባይ በዓልቲ ስልጣንን ቆንስላ ጄነራል እያ።

እታ ልክዕ ከምተን ምስኣ ዘለዋ ተጋሩ ኣዴታት ብጃማ ተኸዲና ሽጓማነ መሳሊ ጉልብብ ኢላ ዉራይ ዝበፅሓ በዓልቲ ዳስ ክትመስል ናብዝን ናብትን ትብል ዝነበረት ሰብ ክንዲ ገለ ንዝኸውን ሃገርን ህዝብን ዝወከለት ዲፕሎማት ኣይትመስልን፡፡” ብምባል እዩ ዝንእዳ። ጓል ኣነስተይቲ ስለዝኾነት ዶ ይኾን ንኢድዋ? ኢልካ ምጥርጣር ይከኣል እዩ።

ኣባላት እታ ጉጅለ ከምዛ ብዙሕ ዘበን ዝፈልጥዋ ሽማ  ኣሐንቂቖም እናፀውዑ ኣውግዕ ኣምስዮምዋ፡፡ ሓፂር ደጎል ኣብ ዘለዎ በዓል ሰፊሕ መረባ  መንበሪ ገዝኣ ድማ ኣሕዲራቶም፡፡ እዛ ዲፕሎማት እዚኣ ጦቕ ዝበለ ቀይሕ ሽሮ ብሓደ ገፅ ብካልእ ገፅ ድማ እንቁላሊሕ ሰሪሓ ድስቕ ኣቢሎም ቁርሶም ጌራ ቡናኣ ኣስትያ እያ ሰዲዳቶም፡፡

ኣቤል ምስ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ወፃኢ ህወሓት ዘይትካእ ሚና ካብ ዝተፃወታ ኣዴታት ሓንቲ ዝኾና ኣደ ወያነ ዝብሃላ “ሓፃር ደስ በሃሊት” ኣደ እውን ተጎምፀፅ ሳዕሲዑ እዩ “ውድብ ኣይትጋገን!” እንትብላ ሰሚዕወን ከመይ ኢሉ ንዘልዐለለን ሕቶ ምስአን ዝነበሮ ፃንሒት እውን ሓንቲ ከየትረፈ የካፍለና።

መድሃኒኣለም ካርቱም እውን ብፅሕ ኢሉ ተመለሰ። እንዳ መድሃኒኣለም ካርቱም ሩታ እትብሃል ቀያሕ ምጭውቲ ኤርትራዊት ጎርዞ ሒዛትሉ ፀኒሓ። ወግዒ ጀሚሮም። ጓል ኣነስተይቲ ዘይትውድኦ እዚ ፀሓፊ ብዛዕባ ሩታ ብዙሕ ኢሉ። ፅባቐኣን ኣንደበታን ገሊፁ። ደሓርስ ኳካብታ ቤተ ክርስትያን ወፂኦም ናበይ ከምዝኸዱ ግን ኣይነገረናን።

ከመ’ለኺ ሰዳን  ሰዳን ዓዲ ኹሉ

ዓዲ ረኺቦም ንዓኺስ ዓዲ ኣለና ይብሉ

ስዋ እቲ ብርኪ ሰብኣይ ዝኽልክሉ

ሰበይቲ እታ ብርሃን ሰብኣይ ዝኽዉሉ

ዘይሕረስ እናሓረሱ ንዘይብቁሉ

እንታይ’ለዎ ታኳ ሓሪሶም እንተላም ዘይሓፍስሉ

ቀይሕ ዋንጫን ቀያሕ ቆልዓን ዘይትዓትረሉ

እሞስ ከመይ ኣቢሎም ደቅኺ  ዓዲ ኣለና ይብሉ?” ንኣሳራይ ሕግን ስነ ምግባርን እቲ ከተማ ኣመልኪቱ ኣብቲ መፅሓፍ ዘስፈሮ ግጥሚ እዩ።

ከባቢ መወዳእታ እንረኽባ ወግዒ ኣቤል “ፍቕር ክረምትን” ትብል፡፡ “ሸውሃተይ ትፈልጢ ዶ? ኣብ ጓል ኣነስተይቲ ዘሎ ክረምታዊ ድባብ ብኣኽን ብሰንክኽን ንኣይ ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎ። ሓንቲ ጓል ሄዋን….. እቲ ገዚፍ ጃኬት ምኽዳን፣ እቲ ፅላል ምሓዝ፣ (ከም ናትኪ ቀያሕ ንእሽተይ ፅላል) እቲ ስኒከር ጫማ ምምላስ፣ እቲ ኣብ ርእስኻ ፀሊም ፌስታል ምግባር፣ ዋላ እቲ ኻፋ ናብ ገፃ እንትዓልብ ድንንን ፅውግን ምባል ወዘተ ንኣይ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ።” ብምባል ጫፍ ፍቕሪ ሄዋን ኣቤል ጉዕሽ ክንርዳእ ይገብር።

ካብተን ኣብዚኣ ዝተጠቐሳ ግጥምታት ሓንቲ ሸው ከብል እሞ ሙሉእ ትሕዝትኡ ንኣንበብቲ ክገድፎ፡፡

ማይ እናሃረመ ዒፍዒፍታ ምስ ግመ

እናረኣኽኒ ፅላል ተሰኪመ

እተው ዘይትብልኒ እንታይ ኮን በዲለ

ኣፅኒዐ ኣይሓተትኩን ትቕመጦ ስፍራ

ብዙሕ እውን ፅዒረ ንዓኣ ክረኽባ

ኣብ መንጎ ክልተ ኣእዋም ሓረግ ዝኣሰራ

ኣራንሺ ናይ ከረን ዝመስል ከንፈራ

መልከዐኛ እያ ቅይሒ ዝስዓራ

ክትወስድ ስጉምቲ ክፅብቕ ኣእጋራ

ዘይረኽቦ ኣይብለይን ኣበይ ኮን ሰፊራ።”

ኣብ ትሕቲ “መንገዲ ድሕንነት”ዘርእስታ ወግዒ ኣቤል፤ ለለ  ካልእ “ፃዕዳ ልባ” ዝብላ  ቆልዓ ኣላ፡፡ኣቤል ምስ በሪሁ ሊላይን ሃፍቶም ዓጋመን ንዛላንበሳ ገፅ ኣብ ዝገሽሉ እዋን እዩ ዘተኩር እዚ ውግዒ፡፡ ቡን ክሰትዩ ኣትዮም ምስ በዓልቲ ዋና ዘምስላ ኣቀራርባ፣ ከምዛ ምሳኻ ዝዓበየት ዓይነት ኣቀራርባ ኣለዋ ዝብላ፣“ኣዘራርብኣ ዘዛርብ ዘረብኣ ዘቀራርብ ቅልል ምስ ትብለካ ነዋሕ ጎርዞ” ጨጨም ኢሉ እዩ፡፡

ካብ ዛላንበሳ መልሲ እታ ዓባይ መልእኸቲ ዘለዋን ርእሲ እዛ ታሪኹ ዝሰነደላ መፅሓፍ ዝኾነት “እናኸድካ ምፅባይ”ትረክብ። እናኸድካ ምፅባይ “ኣለሻ ካብ ኩሉ ነገር ክምሃር ዝኽእል ርእሲ” ይሓቁፍ። “ድሓን እስቲ ሓደ መዓልቲ ካልእ ታሪኽ ክኸውን እዩ” እናበልካ እትጉዓዞ ዘሕምምን ዘይተርፍ ሕልምኻ ዘስምርን ጉዕዞ እዩ እናኸድካ ምፅባይ፤ ይብል።

“ይሓርስ ኣለኹ

ደበናይ እናመዓደኹ” ኣብ እትብል ደርፊ ሓረስታይና ጎሊሃ እትርአ ክልሰ ሓሳብ እናኸድካ ምፅባይ ኣላ” እውን ይብለና። “ምሕራሱ ምኻድ፤ ደበና ምምዕዳዉ ድማ ምፅባይ እያ። ንጭቡጥ ውፅኢት እትኸዶ ትሉም ከይዲ እዩ እናኸድካ ምፅባይ።” ብምባል ስፍሕ ዝበሉ ታሪክ፣ ስነ ልቦና፣ ማሕበራዊ ሳይንስ መሰረት ዘለዎም ዛዕባታት እናልዓለ “እዚ እቲ ኣነ ዝሓስቦ ብንእሽተዩ እዩ፤ ኣንበብቲ ድማ ልዕሊኡ ክትትርጉምዎ ትኽእሉ” ዝዓይነቱ መልእኽቲ ሂቡ እዩ ዝዛዝም።

ዘይተሰማማዕኹለን ነጥብታት

ኣብ መወዳእታ ምስ ኣቤል ዘየስማዕምዐንን ብሓሳብ ዘፈላልየናን ክፋል ገለ ክብል፡፡ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ፅሑፉ ብዛዕባ 16 እናዋግዐና ኣብኡ ይርከባ ብዛዕባ ዝነበራ ማእኸላት ቋንቋን ዝነበረን ኣበርክቶን ይገልፀልና፡፡ እዚ ኢሉ ብስም ናብ “ላንጉጅ እየ”ክንደይ ድንግልና ማይ ንማይ ተሪፉ ይብል፡፡

እቲ ናብ ላንጉጅ እየ እናበልካ ምስ ትፈትዎ መሓዛኻ እሞ ኸዓ ናይ ቁልዕነት ፍቅረኛኻ ምዛር ዝተለመደ እዩ ብስሩ ኸ እንታይ ምኽንያት ጌረን ክወፃ ደኣ ተን ኣዋልድ? ኣትዓባብያ ደቂ ኣንስትዮ ዓድና ፍሉጥ እዩ ኣይኮነን ዶ ናብ ፍቅረኛይ እየ ኢላስ ናብ ቤተመፃሕፍቲ ከይዳ ክተፅንዕ ደልያ እውን ካብ ገዝኣ ወስ ክትብል ኣይፍቀደላን ስለዚ ዘለዋ መማረፂ ናብ ደገ እትወፀሉ መንገዲ እንትፍጠር እቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ነቲ ብልባ እትፈትዎ ወዲ ምርካብ እዩ፡፡

እዚ ከም ሓደ ኣሉታዊ ነገር ክርአ ዘይብሉ ነገር እዩ እብል፡፡ ብስሩ እውን ናብ ላንጉጅ እየ ኢልኪ ውፂሞ ሻሂ ንሰቲ ኢሉ ዘተባብዓ እቲ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን፡፡

ካብኡ አንተስ ሻሂ ድዮም ክሰትዩ እንተስ ካልእ ዚሃር ይፍለጦ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ግን ናብ ብላንጉጅ ኣመኽንያ ድንግልናይ ኣረኪበ ክመፅእ ኢላ ከምዘይትወፅእ ደቂ ኣነስትዮ ንፈልጦ ደቂ ተባዕትዮ ትፈልጥዎ፡፡ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ሓፈሻዊ መልእኸቲ እቲ ፅሑፍ ድንግልና ከምቲ ቀደም ቀዳድም ዝነበሮ ትኹረት ክግበረሉ ይግባእ፡ “ድንግል ተመርዖ” ዝብል ትርር ዝበለ ቃል ኣሎ እንተዘይኮይኑ ኣብ ከይዲ ሂወትካ ሃንደበት እናመፀ ከበርግገካ ይኽእል እዩሞ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ ኢና ክንምርዐው ዝግባእ ተዘይኮይኑ ዳርጋ መርገም እዩ ይብል፡፡ “ድንግል ይሃብካ ኢሉ” ይምርቕ ከዓ፡፡

ብስሩባ ናይ ድንግልና ጉዳይ ንምንታይ እዩ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ በፂሑ ዝኸርር ኣይርድአንን፡፡ ትቀደም ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ከም ቅድስና ይርአ ስለዝነበረ ብቀረባ እውን ክትትል ዝግበረላ እዋን ኔሩ፡፡ ትናይ patriarchy system እውን ደቂ ተባዕትዮ ከም ድልየቶም ክዝናነዩን ክሕጎሱን ነፃነት ሂብዎም ከም ድልየቶም ክመርፁን ምስ ዝሓረይወን ንክኾኑ ይፈቅድ ምንም ኣይ ዓግቶምን ኔሩ እዚ ግን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣይሰርሕን ተን ደቂ ኣንስትዮ እውን ልክዕ ከምቲ ወዲ ተባዕታይ ዝደልይኦ ዓይነት ወዲ ሓፍ ኮፍ ኣቢለን ናይ ምምራፅ መሰል ኣለወን እዩ፡፡

እዞም ከምዚ ዓይነት ኣትሓሳስባ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ንባዕልኻ Superior ጌርካ ምርኣይን ዝደልይዋ ዓይነት ጓል ኣንስተይቲ ናይ ምምራፅ መሰል ከምዘለዎም ጌሮም ምርኣይን ድንግል እንድሕር ዘይኮይና መሕፈሪቱ ኮይና ትስምዖ ተኾይና ኣብ ተኣማንነታ እውን ይጠራጠር እንተድኣኮይኑ ዓብዪ ናይ ስነልቦና ደገፍ ዘድልዮ ሰብ እዩ ማለት እዩ፡፡

ጓል ኣንስተይቲ ኸ ድንግል ወዲ ዘይምችዋ ድዩ ኮይኑ፣ ብስሩባ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ኮይንካ ብዛዕባ ድንግልና ዝኹሉ ምባል ንምንታይ እዩ ተደልዩ? ንምንታይ ብዛዕባ ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ይኾን እቲ ሕቶ? ደቂ ተባዕትዮ ኸ ክእርነቡ የብሎምን ድዩ ማለት? ብዓፀበ ቀለለ ምስ ሰበይትኻ ክትጓየቕ ከለኻ እንድሕር ዘይተልዕለላ ፅቡቕ ዘይጓል ተመርዖ ይብል፡፡

እቲ ሰብኣይ ኣብ ዘጥፍአሉ እዋን ከ? ናዩ ድንግልና መረዳእታ ስለዘይብሉስ ሱቅ ድያ ክትብል? ብስሩ ኸ ኣብ ሓዳር ምስ ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ዝሓለፉ ታሪኻት እናልዐለ ምስ ካሊእ ሰብ ዝነበራ ሂወትን ድንግል ኮይና ስለዘይተመርዐዋ ንዓይ ክኾን ኔርዎ እናበልካ ዘራፍ ምባል እቲ ዝኸፍአ ናይ ኣነነት ego and chauvinism መግለፂ እምበር ዘመናውነት ኣይኮነን፡፡ ኣቤል ነዚ ሓሳብ እዚ ዘራጉድ ናይ ኣዳም ረታ ፅሑፍ ከም ሓበሬታ የቕምጦ፤ ቃል ብቃል፡፡

ከም ኣነ እታ ደቂ ተባዕትዮ ፍፁም ዝብልዋጓል ኣንስተይቲ እንተዝምርዐዉ ደስ ይብለኒይፍጠረሎም ከዓ፡፡ ግን ኣብዛ ዓለም ፍፁም ዝበሃል ነገር የለን፡፡ ምስ ክትምርዐዋ እትደሊ ዓይነት ጓል ኣንስተይቲ ምስኣልን መዐቀኒታት ምውፃእን ፀገም ዘለዎ ኣይመስለንን ግን ኣብ “ሪያሊቲ” ዝተደረኸ ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገፂ ኣለኒ።ብኹሉ ነገራ ፍፁም ዝኮነት ጓል ኣንስተይቲ ክትኮን ኣለዋ ማለት ጌጋ፡፡ ድንግል እንድሕር ዘይኮይና ከዓ ብሱሩ እውን ኣብ ሓዳር ዝህልወና ርክብ ስጡም ኣይኸውንን ኢልካ ምድምዳም ካሊእ ዓብዪ ጌጋ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ናይ ባዕልኻ ጥፍኣት መሸፈኒ ክኾነካ ቀዲምካ ምድላው እውን ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ንኣብነት ሰብ ሓዳር ወይ ድማ ብሓደ ዘለዉ ክልተ ተፃመድቲ ኣብ ፆታዊ ርክብ ክስማዕምዑን ክረዳድኡን ይግባእ፡፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ናይ ሓዳር መመዘኒ እውን ክረአ ይግብኦ፡፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዓራት ንዘይተመቸዋ ወዲ ጠንጢናቶ ክትከይድ ትኽእል እያ፡፡ ንሳ እውን ልክዕ ከምኡ ሰብ እያያ ስምዒት ኣለዋ ስለዚ ዕድመ ልክዓ ዝተውሃባ ፀጋ ገዲፋ ንዕዑ ጥራሕ ክተሕጉስ ምስኡ ክትነብር ዘለዋ ኣይመስለንን፡፡ እዚ ድንግል ኮይና ኣብ ዝተመርዐዋ እውን ዘይሰርሐሉ ምኽንያት የለን፡፡ “ብነብሰይ እየ” እናተብሃለ ክንደይ ሓዳር ድዩ ዝብተን ዘሎ?

ኣብ ሂወትናካብ እንምነዮም ነገራት ሓደ ምስ እንፈትዎ ሰብ ዕድመ ልክዕና ብቅሳነት ምንባር እዩ። እዚ ንክኸውን ድማ ክማልኡ ዝግብኦም ኣርባዕተ መሰረታዊ ነገራት ኣለው፡፡ ኣካላዊ፣ ስነልቦናዊ፣ ስምዒታውን ሃይማኖታውን ሓድነት፡፡ ኣብዚ ድንግል ኮይና ዝተረኸበት ጓል ኣንስተይቲ ናይ ዘልኣለም በዓልቲ እንዳይ ክትኮን ውሕስና ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ፡፡ ነዚ ድማ ምንም መረዳእታ ዘድልየና ነገር ኣይኸውንን ኣብ ቀረባና ኣብ ኣሕዋትናን መሓዙትናን እንዕዘቦ ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ማለት ነቶም ቅድም ክብል ዝበልክዎም ኣርባዕተ ብሓደ ዝከዱ elements ገዲፍካ ምስቲ ኣካላዊ ዝበልናዮ ሓደ element ጥራሕ ተትኩርለካ ማለት እዩ፡፡ ገዛ ብሓንቲ ዓምዲ ደው ኣይብልን፡፡

ክልተ ደናግል ኢና ዝብሉ ተፃመድቲ ቅድሚ መርዓ ንባዕሎም ፍፁም ጌሮም ይሓስቡ እሞ ኣብ ሓዳር/ኣብ ከይዲ ናይ ሓባር ሂወቶም እንትኣትዉ ግን ነንባዕሎም ኣብ ምምዕርራይን ድርድርን ከምኡ እውን ምቁሳልን ምሕዋይን ይረኸብዎ፡፡ ኣብ ምንታይ ደኣሎ እቲ ጥቕሚ ድንግልና? ሓደ ወዲ ተባዕታይ ንመጀመርያ ግዜ ዝረኣያ ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ኮኔክሽን ዝፈጠረሉ እንተኾይኑ መዓዝ እዩ ድንግል ዲኪ ኢሉ ክጥይቓ? ወይስ ገፅ ርኢኻ ዝፍለጥ ኮይኑ እዩሞ ሱቅ ኢሉ ርክቡ ክቅፅል?

ድንግልና ምርግጋፅ ወይ ምፍላጥ ድዩ ዝድለ ወይስ ንታ ዝፈትዋ ጓል ኣንስተይቲ ግዚኡ ሂቡ ብደንቢ ምፍላጥ? ብስሩ ኸ ሎሚ ፅባሕ እናበለ ፀኒሑስ (እንተስ ብዝሓሰቦ ሕቶ ሓፊሩ እንተስ ተሰኪፉ) ከይሓተታ ፀኒሑ ድሕሪ ግዘ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ድንግል ከምዘይኮነት ምስፈለጠ ኩሉ ፏሕ ኣቢሉ ድዩ ናብ ኣለሻ ካልአይቲ ድንግል ክወፍር? ከምኡ አንተኾይኑ ዕድመ ንእስነቱ ብኣለሻ ድንግልና ዝባኽን እንተዘይመሲልዎ ፃዕዳ ይፅናሕካ እምበር ካሊእ ኣይብሎን፡፡

ስለዚ ኣብ ድንግልና ጥራሕ ተትኩር ኮይንካ ማለት ኣብ ማእኸል ዱርስ ኦም ትስእንለኻ ማለት እዩ፡፡ እንድሕር ከምዚ ክኮን ኮይኑ ከዓ ድንግልና ልክዕ ከምናይ ሞባይልን ኮምፒተርን ሃርድዌር ኣብ ድንኳን ምሻጥ ክጅመር ኣለዎ በሃሊት እየ ኣብዘድለየ ዝግጠም፡፡

ካልኣይ ከም መርትዖ ዘቅረቦ ሓሳብ ክደግም፤ “ደቂኣንስትዮ ዘመናዊ ትምህርቲ ክምሃራ ክብላ ዕድሚአን ስለዝደፍእ ብዘይ ወዲ ኣየኽእለንን ስለዚ ምስዝረኸብኦ ወዲ ርክብ ይፍፅማ፡ ይጋገያ ድማ፡፡ ካብኡ ብዝተረኸበ መንገዲ ጥንሲ ይንፅላ፡፡ ዋላ ከምኡ እንተዘይኮነ ፀኒሐን ይምርዐዋ ተጠነሳ እውን ወዮ ምስዳድ ዝለመደ ማህፀን ስለ ዝኾነ  ፅንሲ ናይ ምሽካም ዓቅሚ ኣይህልዎን፡፡” እዩ ዝብል ኣቤል ኣብ ዝጠቐሶ ፅሑፍ ደራሲ ኣዳም ረታ።

ኣብዚ ሓሳብ ዘሎ ፋላሲ ሓደ ብሓደ ንረአ እንተይልና፤ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ብድንግልንአን ክምርዐዋ እንተድኣ ኮይነን ዘመናዊ ትምህርቲ ክምሃራ የብለንን ናብ ዝብል መደምደምታ ይወስደና፡፡ ወይለከ እሞ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ክነረጋግፅስ መሃይም ኮይና/ ስምና ምፅሓፍን ምንባብን ምስ ከኣልና ትምህርቲ ክንገድፍ ማለት ድዩ? ካልኣይ ኣብ ከይዲ/ ፃንሒት ትምህርቲ ብዘይ ወዲ (ፆታዊ ርክብ) ምፅናሕ ኣየኸእለንን ዝብል ሓረግ ንምንታይ ከም ኣሉታዊ ነገር ይቁፀር? ፆታዊ ርክብ ማለት እኮ እግዚሄር ካብ ዝሃበና ብተፈጥሮ እንረክቦም ፀጋታት እቲ ሓደ እዩ ያውም ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ፀጋ እምበር፡፡

እሞ ነዚ ውህብቶ እዚ እግዚሀር ብዝፈቀደልና መንገድን እዋንን ምግባሩ ኣብ ምንታይ እዩ እቲ ጌጋ? ኩለና ደቂ ሰባት (ደቂ ኣንስትዮ ንኹን ደቂ ተባዕትዮ) ንኣቅመ ኣዳምን ኣቅመ ሄዋንን ምስ በፅሓና ባዕሉ ተፈጥሮ ዘገድደናን ዝመርሐናን እምበር ደቂ ኣንስትዮ ብምዃና ጥራሕ እንሃርፎን እንተዘይ ጌርናዮ ሞይትና ንግነለና እንብሎ ዓይነት ወልፊ ኣይኮነን፡፡

ስለዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብትምህርቲ ድዩ ዋላስ ብካሊእ ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ ጉዳይ እንትህልወና ክንምርዐው (ሓዳር ክንገብር) ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን ምስቲ ንዓና ዝመስል ዝፈተናዮን ዝተመነናዮን ወዲ ኣዳም ነዚ ርክብ ምፍፃሙ ዘለዎ ጌጋ ኣይረአየንን፡፡ ምስዚ ተትሓሒዙ ዝቀረበ ካሊእ ብጣዕሚ ዝገረመኒ ነገር ” ምስ ዝረከብኦ ወዲ” ዝብል እዩ፡፡

እዚ ንደቂ ተባዕትዮ እምበር ንደቂ ኣንስትዮ ዝገልፅ ኣይኮነን ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምስ ዝረኸባ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይምንም ካሊእ መስፈርት ዝሕጎሰሉ ፆታዊ ርክብ ክገብር ይኸእል እዩ ጓል ኣንስተይቲ ግን ነዚ ክትገብር ኣይትኽእልን፡፡ ፆታዊ ርክብ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣካላዊ ምንኽኻእ (physical connection) ዝዘለለ ትርጉም ኣለዎ፡፡

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣይኮነን ዶ ድንግል ኮይና ንመጀመርያ እዋንስ ብስሩ እውን ዋላ ኣይትኹን ምስ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ናብ ከምዚ ዓይነት ርክብ ክትኣቱ ከላ እቶም ቅድም ክብል ዝገለፅናዮም ኣካላዊ፣ መንፈሳዊ፣ ስምዓታውን ሃይማኖታውን ሓድነት ምስቲ ወዲ ክህልው እንተዘይክኢሎም ማንም ጓል ምስ ወዲ ርክብ ክትፍፅም ኣይትኽእልን እንተጌራቶ እውን ሕልንኣ ሰላም ኣይረክብን፡፡

ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ግን እዚ ኣይሰርሕን በቃ ተፈጥሮ እዩ ምንም ክግበር ኣይክኣልን ሓደ ወዲ ብጥቅኡ ቅይሕ ዝበለ ቀምሽ ዝገበረ ወዲ እንተዝሓልፍ እውን ጓል ኣንስተይቲ መሲላቶ ናይ ምውሳብ ድሌቱ ክልዓዓል ይኽእል እዩ እዚ እዩ ድማ ኣካላዊ ኮኔክሽን ጥራሕ እዩ ዘድልዮ ዘብለና ሎ “cover the face attack the base” ዝብልዋቶ ኣሎ ኣብሃህላ ጥራሕ ድማ ኣይኮነን እዚ እማን እዩ በቃ ገፃ ታይ ከም ትመስል ከይረኣየ ፍትወቱ ኣርኪዑ ክልዓል ይኽእል እዩ እዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይሰርሕ ንምርግጋፁ የትም ምኻድ ኣየድልን ኣብ ጥቃኹም ዘለዋ ደቂ ሄዋን ጠይቁ እሞ ዝብላኩም ትሰምዑ ባዕልኹም እውን ትፈልጥዋ፡፡

ኣቤል ግን ኣፅቅጥ ኣቢሉ ብዘይ ወዲ ስለዘይኮነለን ምስ ዝረኸብኦ እይን ዝገብርኦ ካኡ ድማ ይጠንሳ ሕልፍ ሓሊፍወን ድማ ይሰድኦ ኢሉና፡፡ ጥንሲ ንበይንና ዲና ንሰርሖ ኮይና? ናይቲ ወዲ ኣስተዋፅኦ ከምዘሎባ ኣይንዘንግዕ ኣፍቲ መጀመርታ ወገን ዝበለ ኢሉ ኣእሚኑ ክትጠንስ ይገብር እሞ ካኡ ብሰማይ ብምድሪ ከይዱ ከይተብሃለ ዕርብርቡ ይጠፍእ ወይ ድማ ዓይኑ ብጨው ሓፂቡ “ታወይቲ ኢኪ ንስኪ ከ?” ክብላ ይክእል…………ብስሩኸ እሺ ንሳስ እንተስ ሰነፍ ኮይና እንተስ ሃላይ ኮይና ኣይተጠንቀቀትንእቲ ወዲ ኸ ታይ ይበሃል?

ኣፍቲ እዋን ክኸውን ዘለዎ ነገር እንተዘይ ኮይኑስ ማዕረ ሓላፍነት ክወስዱ የብሎምን ማለት ድዩ ወይስ ንሳ እያ 9 ወርሒ ትፀሮሞ ባዕላ ትፍለጥ (ንነብሳ ባዕላ ተዘይሓልያትላስ ኣነ ታይ ኣእትዩኒ) ዝዓይነቱ ንዝህላልነት እዩ? እዚ ኩሉ ሓሊፉ ኣብ ጭንቅን ፀበባን ኮይና ምጥናሳ ዝነገረቶ ወድስ ኣበይን መዓዝን እዩ እሰይ ኢሉ ግንባራ ስዒሙ ኣይዞኺ ኣነ ናሃለኹ ኢሉ ዘበረታትዕን ተስፋ ዝህብን ወዲ?

ፀፍ ጭልፅ ኢሉ ዝብሃልን ዘይብሃልን ኢሉ ኣብ ኢዱ ከምዘይኣእተዋ፣ ተለቂሑን ተመርቂሑን ንጉሆን ምሽትን ንዓዓ ከእምን ሓፍ ኮፍ ከምዘይበለ፣ ሓቊፉን ጠቢሩን እምበይተይ ጎተተይ ኢሉ ናብ ዓራት ከምዘይኣደየበ ነዚመርድእ ዝኾኖ ዘረባ እንትሰምዕ ከይርእየኪ ከይሰምዐኪ ኢሉ (አረ ክንደይ ክብርኻ ዝነክእ ፀርፊ እውን ኣለዎ) ዘባርር ወዲ ተባዕታይ ቁፅርን ስፍርን የብሉን፡ ፡እሞ ኣብዚ ጭንቂ ሰዓት ደኣሞ ናብ እንዳመን ትኸድ እታ ጓል ኣንስተይቲ ከ? መን ከ ኣለዋ?

እቲ 50% ናይዚ ጉዳይ ሓላፍነት ክወስድ ዝግብኦ ሰብ ብምጥፍኡ ምኽንያት ኣብ ርእሳ ዝወደቃ መዓተ ጉድ ታይ ትግበሮ ንሳ እውን እኮ ልክዕ ከምቲ ወዲ ተባዕታይ ሰብ ዝበፅሖ ክትበፅሕ ትደሊእያ፣ ልክዕ ከምኡ ንሳ እውን ንነብሳ ትፈትዋ እያ ኣነ ክነብር ንስኺ ሙቲ ዝበሃል ኣይሰርሕን ስለዚ ዘለዋ ኣማራፂ ካብ ንባዕላ ከይከኣለት ካሊእ ሰብ ናብዚ ዓለም ኣምፂኣ ኣይ ንዓዓ ኣይንቲ ውላዳ ክትከውን ኣደዳ ከርተትን ምንግልታዕን ካብ እትኾን ናፍቲ ዝሓሸ እትብሎ መፍትሒ ትኸድ፡፡

ስለዚ ነዚ ኩሉ ጣጣ ዘምፅእ ዘሎ ንዝህላልነት ጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ከይኮነስ ኣነነት እቲ ሎሚ ድንግል እባ እንታይ ባ ዝምነ ሰነፍ ወዲ ተባዕታይ እውን እዩ፡፡ እዚን ወድዝን እናሃለወ ድማ ብዛዕባ በኹሪ ቆልዓ የውግዐና ኣቤል ብኣዳም ረታ ተመሲሉ፡፡ ኣብዚ ዋላ እቲ ናይ ኣዳም መፅሓፍ ይኹን ናይ ኣቤል ፅግዕ ኢልካ ብቃላት ኣዳም ምሕላፍ ዘለዎ መልእኽቲ ሓደ ዓይነት እዩ፡፡ “በኹሪ ቆልዓ ማለት ብድንግልና ዝተወለደ እምበር መጀመርያ ዝተወለደ ማለት ኣይኮነን” ይብለና፡፡

ግን እዚን ወድዝን እናሃለው ከመይ ጌርካ ይቡከር? ስደድዮ ጉሓፍዮ እናበላ ሓግዩስ በኹሪ ወዲ የብላን ክበሃል? ካኡ ድማስ መጀመርያ ተወለደ ካልኣይ ተወለደስ ታይ ኣፈላላይ እዩ እኒአዎ ኮይኑ እዚኮ ደረጃ ምደባ ፅርየት  ኣይኮነን ወይስ እቲ በኹሪ ውላድ ካፍቲ ካልኣይ ዝተወለደ ዝሓሸ ተርጉም ኣለዎ ማለት እዩ ነቲ ወላዲ? እዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቶሎ ክትወልድ ንዘይትኽእል ጓል ኣንስተይቲ እውን ምድኻም ማለት እዩ፡፡ እቲ ድንግል እናሃለወት ዝረኸባ ወዲ ተባዕታይ ከጥንስ (ክወልድ ዘይኽእል) እንተኾይኑ ከ ንሳ ድያ ነዚ እውን ክትሕተተሉ?

ሳልሳይ “ምስ ካሊእ ወዲ ጀሚራ ዝመፀት ጓል ኣንስተይቲ ኣይትኾነካን እናፀንሐት ነቶም ብቅድሜኻ ዝነበሩ እናዘከረት ቁዛምኣ እዩ ክገደካ፡፡ ክትርብሸካ ትኽእል፡፡” ወይለከ እንኤኻ ጉድ ትወዲ ከ ኣበይ እዩ እንዶ ፀኒሑ? ንሱ እውን ድዩ ቅድሚኣ ዘይጀመረ ኮይኑ? ከምኡ እትኮይኑ ሓቂ ንምዝራብ ኣነ ኣይሓፈረሉን ከክንድኦም ዘሕፍረንን ዝገርመንን ዘሎ ቀያሕን ፀላምን፣ ነዋሕን ሓፃርን ከይበሉ ቀምሽ ዘዝገበራ ጎራዙ እናሰረሩ ሓግዮምስ ደረቶም ነፊሖም ካሊእ ዘይጠዓመት እየ ዝደሊ ንዝብሉ እምበር እርንብ ኢሉ ዝነበረ ከምኡ ዝበለት ተሓተተማ ነውሪ የብሉን፡፡ ኣነነት እየ ዝፀላእኩ ኣነ፡፡

ካኡ ድማ ብቅድሜኻ ዝነበሩ እናዘከረት ኣይትኮነካን ኢልካ ምድምዳም፤ ቶም ብቅድሚኡ ዝነበሩ ክትዝክርን ክትርስዕን ዝገብራ መን ድዩ? ፅቡቅ ሰብኣይ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ትናይ ትማሊ ትዝክረሉ ምንም ምኽንያት ኣይህልዋን የግዳስ እቲ ሕዚ ዘላቶ ደስታን ሓጎስን ተስተማቅረሉ ግዜ እዩ ዝንእሳ፡፡ እንተድኣ እቲ ትማሊ ክረኽባ እንተሎዝነበረ ግልቡብ መንነት ቀስ ብቀስ እናተቀልዐ መፂኡ እቲ ትክክለኛመንነቱሪኣ ወይድማ ኣብ ሓዳር ምስ ኣተወዘምፅኦ ወለጥለጥ እንድሕር ደኣ ሃልዩ ከመይ ጌራ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝሓሸ ሰብ ዘይትዝክር? በቲ በለ በዚ ነዚ ኩሉ ጣጣ ዘምፅእ ዘሎ ዋላ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይኩን ናይቲ ወዲ ተባዕታይ ኣስተዋፅኦ ግን ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ እዚ ምስ ድንግልና ዘራኽብ ምንም ነገር የብሉን፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣቤል ብምንታይ ክሽውደና ፈቲኑ ይመስለኩም ብ መትሓሳሰቢ፡፡ ድልየተን ያ ጥሒነንስ ባእለማርያም ይብላ ዝዓይነቱ እዩ፡፡ ”እዚ ዝበሃል ዘሎ ንጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ከይመስለካ” እዩ ዝብል ኣቤል። ሃሃሃሃሃ እወ ዶ? ንካሊእ በልዮ በለት ደርሆ! ዝበሃልን ዘይበሃልን እናበለና ውዒሉስ ብ ሰለስተ ቃላት ነቶም ኣወዳት እውን ይምልከት እዩ ይብለና፡፡ ንፋለጥ እሞ ንማለጥ ዶ በሉ?

መደምደምታ

ኣብ መወዳእታ ብኣንፈት ምብራቅን ምዕራብን ን ተምቤን፣ ካብ ተምቤን ዓድዋ፣ ኣክሱምን ሽረን፣ ዓድ ኣውዓላን ዓድ ነብሪኢድን፣ ሸራሮን ሑመራን ኢሉ ድማ ሱዳን ኣብፂሑ ዝመልሰና፤ ብኣንፈት ደቡብ ክሳብ ሳምረን ራያ ዓዘቦን ኮታስ ሙሉእ ትግራይ ኣዛዊሩ ዝመልሰና መፅሓፈ ኣቤል ዝኾነ እናኸድካ ምፅባይካብ ወግዒ ዝዛየደ መልእኽቲ ዘለዋ ንምዃና መረጋገፂ ንክኾነና ካብ ልዕሊ 55 መፅሓፍትን ፅሑፋትን ዝረኸቦም መረዳእታታት ዘካተተ ምዃኑ እዩ፡፡

እዛ መፅሓፍ እዚ ኣኩሉ ክፋል ሕ/ሰብ፣ መናእሰይን ዓብይን ከይፈለየ ክንበብ ዝግብኦ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስተዮ ከንብብኣጥራሕ ዘይኮነስ ክርድኣኣን ከሰላስላላን ዝግባእ ብዙሕ ትምህርቲ ንረኽበሉ ዓብዪ ሰነድ ታሪክ እዩ፡፡ ኣብ ዕብየት ስነፅሑፍ ትግርኛ ናይ ባዕልኻ እጃም ንዘወፈኻን ነዛ መፅሓፍ ናብ መንበብቲ ንክተብቅዕ ላዕልን ታሕትን ዝበልካ ኣቤል የቀንየለይ ክብለካ ይፎቱ፡፡ ብርዕኻ ይሰስን ድማ ይብለካ፡፡

*********

Guest Author

more recommended stories