ምላሽ | “ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ክይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል“ ሃለውለው?

(ብርሃነ ባይሩ)

ቅድሚ ናብቲ ዋና ነጥበይ ምእታወይ ሓንቲ ነጥቢ ከልዕል፡፡ ህዚ ዘሎ ኩነታት ዘለዎ ጥንካሬታቱን ሽግራትን ኣመልኪትካ ብVOA ኣብዝቕረበ ኣብ መንጎ ዝተወሰኑ ውልቀ ሳባት ቃለ ምልልስ ኣይተ ኣማኒኤል ነቲ ናይ ሀዚ ዘሎ ኩነታት ከም ኣገማግምኡ ተቕቢለ ኣብቲ ቅድሚ 1993 ዝነበረ ኩነታት ግን ኣገማግምኡ የማና ዝተመጠጠን መሰረታዊ ባህርይ ናይቲ ስርዓት ዝድምስስ ኣቀማምጣ ተመሲሉ ተራኢኒ፡፡

እቲ ዝነበረ ኩነታት ውድብን ኣብቲ ህዝቢ ዝስራሕ ዝነበረ ስራሕትን ሽግራት ከምዝነበሮ ኣይካሓድን፡፡ እቲ ዝነበረ ኩነታት ብደረጃ ዕንይኒይ ግን ዝግለፅ ኣይመስለንን፡፡ ብመጀመርያ ነገር እቲ ዝነበረ ኩነታት ብትኽክል ምርኣይን ምግምጋምን የድሊ፡፡ ስራሕትን ጠመተን ኣብ ጠቕላላ ሃገር ናይ ምሕዋይን ምጥያሽን ዳግመ ምውዳብን ሰላማ ምርግጋፅን ዝተፀመደ ስራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ኩነታት ኮይንካ እዩ እቲ ሀዚ ኣማኒኤል እውን ዘምግሶ ዝውዕል ዘሎ ሕገ መንግስቲ ብዙርያ መለሽ ናይ ህዝቢ ተሳትፎን እምንቶን ክርቀቕ ዝኻኣለ፡፡

ኣብ ዕንይንይ ዝነበረ ውድብን መንግስትን እዙይ ከርቅቕ ኣይኽእልን፡፡ ዝተኸተብካላ ጥራሕ ምምጓስን ንገለ ውልቀ ሰባት ንምውቃዕን ተባሂሉ ካብ ጭቡጥ ዝነበረ ኩነታት ወፃኢ ምግምጋም ትኽክል ኣይኸውንን፡፡ ንስኻን ከማኻን ዝበሉ መውፂኢት ኣፍኩም ነቲ ቅድሚ 93 ዝነበረ ኩነታት ዚሮ ምግባር እዩ፡፡ ብወገነይ ነቶም ብድሕሪ 93 ዝተነፀሩ ኣንፈታትን ፓሊስታትን ክብሪ ዝህብ እየ ግን እቲ መሰረቱ ቅድሚኡ ዝነበረን ዝተፈጠረ ጥጡሕ ባይታን ዓቕምን እምበር ካብ ባዶ ከምዘይተበገሱ ርዱእ ይገብር እየ፡፡ እቲ ሽኡ ዝተፈጠረ ፅቡቕ ነገር ከምዘሎ ኮይኑ እቲ በታኒ ጎኑ እውን ክረአካ ኣለዎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ በቲ ´ታሃደሶ` ከሲሩ እምበር ኣይከሰበን፡፡ እቶም ድሕሪኡ ዝመፁ ምዕባሌታት እንተይተበተንካ እውን ኣይምመፁን ዝብል ግምት የብለይን፡፡ እቶም ዝባሃል ተረፍ መረፍ ኣራኣያታት ከምዘለዉ ኮይኖም ካብ ዴስነት ክንሃንፅ ኢና ዝብል ዕላማ ወፂኻ ነቲ ሽዑ ዝተፈጠረ ፓሊቲካዊ ኩነታት ዓለምና ብትኽክል ተገንዚብካ ዋላ ፃዕዳ ርእሰማልነት ኢልካ ኣዊጅካ ዝተጀመረ ጉዕዞ ኣይኹን ፓለቲካዊ ቅዋምካን ኣካይዳኻን ዳግም ስርርዕ ገይርካ ንቲ እትሃንፃ ስርዓት ምጅማር እኮ መሰረታዊ ናይ ራይኢ ግልፅነትን ካብ ዕንይኒይ ምውፃእን ዘምልክት እዩ፡

ካሊእ ግን ከም ሕቶ ኣልዒለ ክሓልፍ ኣብ አሬትራ ዘሎ ኩነታት እንዕዘቦ ዘለና እዩ፣ እቲ ብሳዕቤኑ ዝፍጠር ዘሎ ኩነታት እውን ኣብ ሃገርና ዝፍጥሮ ዘሎ ፅዕንቶታት እንርድኦን እንዕዘቦን ዘለና እዩ፣ እሞ እዙይ በቲ ኣብ ሽዑ ተላዒሉ ዝነበረ ካሊእ ሓሳብ እንተዝውዳእ ነይሩ፣ ኣብቲ ናይ ሀዚ ዘሎ ኩነታት ፋይድኡ እንታይ ምኾነ ነይሩ ትብል? እዙይ ሓደ በለለይ፡፡

ቕፂለ ኣብቲ ለምቅነ ኣግኣዝያን ዝምልከት ዝበተንካያ ሓንቲ ፅሕፍቲ ኣመልኪተ ዝተወሰነ ሓሳብ ክህብ፣ ሓሳብካ ካብ ስግኣት ዝብገስ ኣብ መልክዕ እምበር ኣብ ትሕዝቶን ውፅኢትን ዝተመስረተ ኣይመስለንን፡፡ ክምስረት እውን ኣይኽእልን፡፡ መቸስ ኣብ ዝቕልቀል ሓሳብ ብዝመስለካ ኩርናዕ ምርኣይን ብዝመስለካ መንገዲ ምምዛንን ኣብኡ ተደሪካ ርኢቶ ምሃብን ፀገም ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ሽግር ዝመስለኒ ብትኽክል ኣብዘይረጋገፅካዮ ትሕዝቶን ውፅኢትን ንገሊኦም ቀይሕ መብራህቲ ምሕባር እዩ ሽግር፡፡

እቲ ምንቅስቓስ እተንስ ናይ ትግራይ ትግርኚ ንበሎ ወይ ኣሕዋት ናይ ምርኻብ ንበሎ ወይ ብፀላእቲ ኣህዛብ ዝተፈጠሩ ሓፁራት ናይ ምጥሓስ ምንቅስቓስ ንበሎ ወይ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝተነዝሐ ናይ ምፅልላዕ ስራሕቲ ከም ብሓዱሽ ናይ ምንቃፅ ስራሕ ዝደፍኦ ወነ መንኣሰይ ንበሎ ኮታ ብዙሕ እዩ መልክዑ፡፡ ብመሰረቱ ናይ መናአሰይ ምንቅስቓስ እዩ፡፡ እቲ ምንቅስቃስ ብልሙድ ናይ ኣግኣዝያን እንዳተባሃለ እዩ ዝፍለጥ፡፡ ምንቅስቃስ ኣግኣዝያን ብካሊእ ኣባሃህላ ኣብ መንጎ ንኣሻሓት ዓመታት ብሓደ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ብናይ መግዛእታዊ ውዲታት ተፈላሊዩ ክነብር ኣብዝተበየነሉ ዘለዉ መናእሰይ ክልቲኡ ከባቢታት ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቃስ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ናይ ዳግመ ውልዶ ኣጋኣዛዊነት መሰረት ዝገበረ ምንቅስቃስ መናእሰይ እዩ፡፡

እዚ ምንቅስቃስ እዙይ ሓላፍ ዘላፍዶ ኣለዎ፣ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡፡ ብመሰረቱ ምንቅስቃስ እኮ እቲ ውድኡ መልክዑ ዝሕዝ ብከይድን ኣብ ኣሰላልፍኡ ብምድማርን ብምቕናስን ብዝረጋገፅ ምምዕርራይ እዩ፡፡ ብመሰረቱ ዝነበረ ኣብ መንጎ ህዝብታት ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ አሬትራን/ኢትጲያን/ትግራይን ምርሕሓቕ ብምልዋጥ ሓዱሽን ናብ ንቡሩ ዝመልስ ኩነታት ንምፍጣር እቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ሓፁር መግዛእቲ ከምዘይህሉን ዝነቅልን ስራሕ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ፡፡

እዙይ ድማ ክፋእን ቀይሕ መብራህቲ ንክትርኢ ዝደፍእ ኩነታት ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡ ምርጋእን ምስትውዓልን ካብቶም ፀጋታት ወዲስብ እዮም፡፡ ብውሑድ እኮ ኣብቲ ዘሎ ኩነታት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ሽግር ዘለዎ ኣይኮነን፡፡

እቲ ሀዚ ብአሬትራ ጎኒ ይኹን ብተጋሩ መናእሰይ ዝጋውሑ ዘለዉ ሓውሲ ምንቅስቓሳት እንታይኳ መልክዕ ንሃቦም የፅግም እዩ፣ ግን ካብ ሓደ ጭቡጥ ኩነታት ከምተበገሱ ምቕባል የድሊ፡፡ ኣብ አሬትራ ዘሎ ኩነታት ግልፂ እዩ፡፡ መፈናፈኒ ዝሳኣነ ህዝቢ እዩ፡፡ ዝበርስ ዘሎ ህዝቢ እዩ፡፡ መንእሰይስ ይትረፍ ዓበይቲ ወለዲ እውን ፋሕ ብትን ዝብልላ ሃገር እያ ትኸውን ዘላ፡፡ መውፂኢን ኣፋፍኖት ሰላምን ቅሱን ናብራን ዝናዲ መንእሰይ ብሓፈኻ ድማ ጠቕላላ ህዝቢ ባዕሉ ዋሕጂ ስደተኛታት ምስክር እዩ፡፡ ስለዙይ እቲ ብወገን መናእሰይ አሬትራዊያን እንርኦ ዘለና ምንቅስቓስ እዙይ ዝወለዶን መሰረቱ እዚ ኩነታት እዙይ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡፡

ካሊእ ብወገን ኣብ ትግራይ ዘለዉ መናእሰይ ተመሳሳሊ ኣራኣእያን ሓሳብን ክህልዎም ዝደፍ ኩነታት እንታይ ኣሎ ኢልካ ምርኣይ ድማ ኣገዳሲ ይመስለኒ፡፡ ኣብዝሓለፈ ዓመት ብናይ ትምክሕቲ ሓይሊታት ደፋፋኣይነት ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ተጋሩ ዝተፈጠረ ጨምለለቅን ዘይንቡር ውዲትን፣ ኣብ ደገ በብእዋኑ ዝምብድበዱ ዘለዉ ፀረ ትግራዎት ውዲታትን ካልኦት ሕቐ ህዝቡ ዘደልድሉ ኣራኣእያታት ከስተንትንን ክሰርሕን ምሕሳቡ ዘንውር ኣይኮነን፡፡

እዚ ኣብ ምትፍናን ዝርከቡ ሃገራት እዚ ክልተ ኣታሓሳስባታት በዞም መናእሰይ ምልዓሉን ከም ምንቅስቃስ ምጅማሩን፣ ከም ምቅስቃስ ሓዱሽ ኣራኣእያ ትድግፎን መስመር ተትሕዞን እምበር ኩኑን ከም ኣርዮስ ኢልካ እተርሕቆን መንገዱ እንተይፈለጥካ ከም መንገዲ ዕኒይኒይ ምባል ምሽኳልዶ ወይስ ኣብ ኣረጊት ኣታሓሳስባታት ምሽካል ክንብሎ፡፡

ብገለ ብጩቕ ዝብል ሓሳብ እንዳተበገስካ እዙይ እዩ መድምደምትኡ ክትብል ኣይትኽእልን፡፡ ንሱ እውን እንተኾይኑ realignment ኣብ መንጎ ህዝብታት ኩልሻብ ዘሎን ዝነብርን ውፅኢት ናይ ዝፍጠር ኩነት እምበር ብናይ እኒ ኣማሊኤል ምፍርራሕ ዝዕገት ኣይኸውንን፡፡ ኣይኮነንዶ ታሪኻዎ መበገስታት ዘለዎ እንተዘይህልዎ እውን ሰባት በዚኣ እምበር በቲኣስ ኣይቀሳቕሱ ክትብሎም ምስቲ ዘለናዮ ብርኪ ዘስምዕ ኣይኮነን፡፡

እቲ ሓሳብ ዘየልምስ ግን ብዝበለፀ ጎልቢቱን ሰፊሑን ክኸይድ ዝገብር ሓሳብ ይዋሃብን ተወሳኽቲ መንገድታት ይሕበርን እምበር ቀይሕ መብራህቲ እንዳርአኻ ነቲ ሓዱሽ ኣታሓሳስባ ናይ ወዲሰባት ኣይተልምሶን፡፡ ካብ ኩናት ወፂኻ፣ ካብ ከም ኣንጨዋን ድሙን ምትሕልላው ዘሊቁ ዝርኢ ኣታሓሳስባ እንትመፅእ ከመይ የድንግፅ፣ ብወገነይ ብዙሕ ህዝብን፣ ሰፊሕ ተፈጥሮ ሃፍትን፣ ዕቁርን ብሉፅን ሰብኣዊ ሓይልን ውሕሉል ምሕደራ ህዝብን ኣብ ሓንቲ ሃገር ምህላው ድልዱልን ውሑስን ዘላቕነትን ዘለዎ ዓቕሚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምፍጣር መተካእታ ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡ ህልው ኩነታትና እውን ብሰፊሑ እዙይ ዝጠልብ እዩ፡፡ እዙይ ማለት ግን በታ ዝነበርና እምበር ካሊእ ነቲ ኣታሓሳስባ ዝፀውር ኣወዳድባን ዳግመ ስርርዕን ምትእስሳርን ናይ ህዝብታትን ሃገራትን ኣይፍጠርን ማለት ግን ኣይኮነን፡፡

ኣብ መንጎ ህዝቢ አሬትራን ህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጲያን ንጠንቂ ሰላምን ምርግጋዕን ህውነታዊ ዝምድናታትን ዝኾኑ ኩሎም ክስበሩ ኣለዎም፡፡ መዝሙር ሰላምን ህውነትን እምበር መዝሙር ፍልልይ ክንሰምዕን ወለዶታትና ክሰምዑን ዝመነ ሰብ ኣይድለን፡፡ ሀዚ በብኩርንዑ ኣማኒኤል እውን ዝሰግአሎም ዝባሃሉ ነገራት ኣለዉን፣ የለዉን፡፡ እቲ ኣብዙይ ተመዚዙ ዝወፅእ ዘራብን ቃል መናሰየን ሰላምን ፍቕርን ምትሕውዋስን ናብ ንብሩ ምምላስን ታሪካ ምሕዳስን በዙይ ኣቢልካ ዓቕምኻን ድሕንነትካን መንነትካን ምርግጋፅን ምሕላውን ምሕያልን ዝብሉ ጉዳያት ክምዘዙ ይኽእሉ፣ይምዘዙ እውን ኣለዉ፡፡

እቲ ናይ መወዳእታ መልክዕ እንታይ ይኸውን ከምቲ ኣይተ ኣማኒአል ዝድምድሞ ዘሎ ንምድዳም ዝካኣል ኣይመስለንን፣ እኳ ዳኣስ መንገዲ ሰላምን ዳግመ ምትሕውዋስን ተጣናኺርካ ምውፃእን ዘብል መሰረት ይሰፍሕን መልክዑ ይሕዝን ኣሎ ዘብል መንፈስን ራኢን ስለዝፈጥርልካ መፃኢ ፀግኡ ሰፊሕ እዩ፡፡ ዘስግእ እንጀራ ዘይኮነስ እንጀራኻ ዘስፍሕን ድሕንነቱ ዝሕሉን ማእዲ ክባሃል ይኽእል፡፡ ሓደ ኣብዘይየቁንዙ ቃንዛ ዘይቁምንዛው ካልኣይ ካብ መልክዕ እቲ ምንቅስቓስ ተበጊስካ ንህዝባዊን ሃገራዊን ትሕዝቶታት ከይትቕትል ምጥንቃቕ የድሊ እዩ፡፡

እኳ ዳኣስ ድሓር መንገዲ ዕኒይኒይ ከይኸውን ኣሻቅሎት ክፈጥሩልካ ዝግብኡ ክልተ ጉዳያት ክጠቕሰልካ፡፡ ሓደ ፈተውቲ መሲሎም ብውሽጥን ብደገን ዝኸቡና ዘለዉ ኣዕራብ ከመይ ገይርና ነርሕኝቆም ፅዕንቶኦም ንቆፃፀሮን ዝብል፣ እቲ ካልኣይ ድማ ከም መጠን ላዕለዋይ ካድረ ተተሊሞም በብእዋኑ ዘይውድኡ ፕሮጀክታት ንምንታይ ዝብል ተሪር ሕቶ እንዳልዐልካ ፅዕንቶኻ ከይተዕርፍ ዝገብረካ ዘሎ ተወላዋላይን በለፀኛን ባህርይ እዩ፡፡ ብውገነይ እዚኦም ብኣግባቡ እንተዘሊቕናዮም ካሊእ ዝፍጠር መንገዲ ዕኒይኒይ የለን፡፡ ስግኣትካ ከንቱ ስግኣት እዩ፡፡

ኣይተ ኣማኒኤል ካብ ኣከላል ሃገራት ተበጊሱ ብዛዕባ ሃገርና ፅውፅዋይ ክነግረና ፈቲኑ እየ፡፡ እዙይ ሃለውለው ይባሃል፡፡ እሞ እንታይ ከምዙይ ገይሮም ሰሪዐምና እዩሞ ንቀበሎን ንትዛዞም ከንይንሰብርን ኣብ ትእዛዞም ክነብርን ድዩ፣ ትማሊ ቃል ኣቲናስ ደቅና እውን ክኣቱዉ ድዩ፣ እቲ ናይ መሰራርዒ መምርሒ ንፍርዲ ዘይቕርብ እንተይኮነስ ብዝፍጠር ጭቡጥ ኩነታት ሃገራትን ህዝብታትን ዝፅለውን ዝግዛእን ብእኡ መሰረት መልክዕ ዝሕዝን እዩ፡፡ ሎሚ እኮ ኣይኮነንዶ ብታሪኽን ብሰብኣዊ መስተጋብርን ዝተኣሳሰረ ህዝብን ሃገርን ከም ኣፍሪካ ንሕሰብን ንቀሳቕስን ዝባሃለሉ ግዘን እዋን ኢና ዘለና፡፡

እቲ መንገዲ በኣየናይ መንገዲ እዩ መንገዲ ዕንፅል ፅል ዝኸውን?፣ እቲ ካሊእ መንገዲኸ መንገዲ ዕንፅልፅል ዝኾነሉ ዕድልከ ዕፁውዶ?፡፡ ሕቆ ህዝቢ ከይጉዳእ፣ ማእገር ህዝቢ ክድልድል ያታዊ ስራሕቲ ምድልዳልን ብእኡ ኣቢልካ ተፃብዖታት ምንካይን ህዝብኻ ኣብ ውሑስ ሂወት ክነብርን ዝገብር ስራሕ ምሕሳብ መንገዲ ዕንፅልፅል ዝኸውን እንታይ ምስዝኸውን እዩ?፣ ብዝኾነ ካብዝተላዕለ ድኣ እምበር እቲ ምንቅስቃስ ከም ምቅስቃስ መልክዓቱ እዙይ እዩ ኢልካ ወዲኢኻ እትዛረበሉ ብርኪ ዝበፅሐ ኣይኮነን፣ ያው ኣብ ዝማዕበሉ ሓሳባትን ኣራኣእያታትን በገነኦም ናይ ምቕታል ባህርይ ሀዚ እውን ዘይተደርበየ ሕማም ዳሓር እንተዘይኮይኑ ሓውና ኣማኒኤል ብዙሕ ዘሻቅል ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ወየዳኣ እቲ ምቅልላስ ገዲፍና ወሰን ወሰን ንኸይድ ኣለና እምበር ዘሻቅልስ ብዙሕ ኣለና፡፡ ፕሮጀክትታት ህዝብን ሃገርን ክልልን ተተኣውጆም እንትመኽኑ፣ ህዝቢ ብስእነት ሰናይ ምሕደራ እንተንፀርፅር፣ ኣብ ቤት ዕዮታት መንግስትን ህዝብን ስርቅን ምጭብርባርን እንትነግስ ሕለፍ ዝብል ወዲ ህዝቢ ዝሳኣነሉ ግዜ ኢና ዘለና፡፡ ህዝብና ካሊእስ ተሪፊ እታ ዝታሓተት ምግቢ፣ መንበርን ፅሩይ ዝስተ ማይን ብእኹል ዘይረኽበላ እዋን ኢና ዘለና፡፡ እዙይዶ ከሻቅለካ ኣይምተገበአን ካብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና?፡፡

****************

20/5/2017

Guest Author

more recommended stories