‘ሕቶ ወልቃይት ትማሊ ተቓሊስና ናይ ዝሰዓርናዮም ተረፍመረፍ ሕቶ እዩ’ – ኣለም ገ/ዋህድ

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኢህወዴግን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን  ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ ምስ ጋዘጠኛ ዮሃንስ ካልኣዩ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ ካብ ፍሉይ ሕታም መፅሄት ወይን ለካቲት 2009፡፡

ወይን፡- ህወሓት ኣብ 1993 ዓ/ም ከም ውድብ ንመስመሩን ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡን ዝፈታተኑ ሓደጋታት ምብስባስ ካብ ስሮም ምሒው ምድርባይ ዝኽእለሉ መስመር ዘነፀረሉ ዕውት ታሪካዊ መድረኽ ተሃድሶ ኣካይዱ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ እቲ መድረኽ ተሃድሶ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ቓልሲ 15 ዓመት ዝተጨበጡን ዝተመዝገቡን ዓወታት ከመይ ይግለፁ?

ኣይተ ኣለም፡- ፈለማ ነዚ ብሽም ለካቲት 11 መበል 42 ዓመት ኣብ ዝዳሎ መፅሄት ወይን እዋናዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት መብርሂ ንክህብ ስለዝዓደምኩምኒ ከመስግን ይደሊ። መጀመርያ ኣብ 1993 ዓ/ም ዝተገበረ ተሃድሶን ድሕሪኡ ዝመፁ ዓወታትን ቅድሚ ምግላፀይ ኣብ ባዕሉ ኣብቲ እዋን ተሃድሶ ከም መሰረታዊ ዓወት ክግለፁ ዝግበኦም ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት እንታይ ዓይነት ዓወታት እዮም ተመዝጊቦም? ንዝብል ሕቶ መሰረት ክኾነና ዝኽእል ነገራት ምርኣይ ከድሊ እዩ ዝመስለኒ።

ኣብ 1993 ዓ/ም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘካየድዎ ተሃድሶ ብሓፈሻ ከዓ ከም ሃገር ዝተኻየደ ተሃድሶ ብፍላይ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ዕጥቃዊ ቓልሲ ምዝዛም ናበይ፣ ብኸመይን ከመይን ከምዝበፅሕ መሰረት ገይሩ ናብ ናይ ዳግማይ ስልጣነ ታሪኹ መሊሱ ዝህደሰሉ ኩነታት ተሃድሶ እዩ ወሊዑ ነይሩ ንምባል ይከኣል። ኣብቲ መድረኽ ተሃድሶ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ክልተ ወሰንቲ ዓወታት ተጐናፂፎም እዮም ክንብል ንኽእል ኢና። እቲ ሓደ መሰረታዊ ዓወት እንብሎ ኣብ እንታይነት እቲ እንሃንፆ ስርዓት ብዝምልከት እዩ። ቅድሚ እቲ ተሃድሶ ኣብቲ እንሃንፆ ስርዓት ዓብዪ ፀገም ግልፅነት ነይሩ እዩ። “እንታይን ከመይን ዓይነት ስርዓት ኢና ክንሃንፅ?፣ ኣብቲ ዝህነፅ ስርዓት ተጠቃምነት ሓፋሽ ከመይ እዩ ክኸውን?” ዝብል ሰፊሕ ናይ ኣረኣእያ ድርዕቶ ዝነበረሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብቲ ግዘ ተሃድሶ ኣብ እንታይነት እቲ እንሃንፆ ስርዓትን ተጠቃምነት ህዝብናን፣ ኣብ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይና፣ ሃገርናን ዓለምን መሰረት ገይሩ ንፁር ዝኾነ ራእይን መስመርን ስርዓትና ነቲ ፅግዕተኛ ምብስባስ ስዒሩ ብዓወት መሰስ ዝበለሉ ተሃድሶ እዩ ነይሩ።

ስለዚ ሓደ መሰረታዊ ዓወት ኣብ እዋን ተሃድሶ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓሙቕ ድኽነት፣ ድንቁርናን ተመፅዋትነትን ወፂኡ ከምቶም ብሓያል ፃዕሮምን ቃልሶምን ኣብ ጫፍ ምዕባለ ዝበፅሑ ውሕዳት ህዝብታት ዓለም ክበፅሕ ዘኽእሎ ራእይን ፅሩይ መስመርን እዩ በቲ ግዘ ወኒኑ ወፂኡ። ስለዚ እቲ ሓደን መሰረታውን ዓወት ንኻልኦት ምንጪ መሰረታዊ ዓወታት ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ ክስመረሉ ኣለዎ። ነዚ መሰረታዊ ራእይን መስመርን መሰረት ገይሩ እውን ብእዋኑ እቶም ፀኒሕና እንዛረበሎም ዓወታት፣ መስመራት፣ ፖሊስታት፣ ስትራተጂታት በቲ ጊዜ ነቲ ዋና ራእን ንፁር መስመርን ዘተግብሩ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊ ካበይ ተበጊሶም ናበይ ከም ዝበፅሑ ካብ ዝኾነ ይኹን ድርዕቶ ኣረኣእያ ብዝነፅሀ ኣገባብ ዝተመለሰሉ ወቕቲ እዩ። ስለዚ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ዝተመስረተ ህዝባዊ መንግስቲ ወይ ህዝባዊ ስልጣን ናይ ቕልጡፍ ሕብረተሰባዊ ለውጢ መረጋገፅን መሳርሕን ዝኾነሉ ወሳኒ ሰረት ዝተነፀፈሉ ተሃድሶ ‘ዩ ነይሩ ንምባል ይከኣል።

ምስቲ ዝገለፅክዎ ዝተኣሳሰር ቁልፊ ነገር ድማ እንታይነትን ባህርያትን እቲ ስርዓትን ንዕኡ ዘፈፅሙ መስመር፣ ፖሊስታትን ስትራተጅታትን ጥራሕ ምንፃሩ እንተይኮነስ እቲ ዝህነፅ ዘሎ ስርዓት ኣፍቲ ምህናፁ ዘጋጥም ዘሎ ነገር እንታይ ክኸውን ይኽእል? ናይቲ ፀገም ሓደጋ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብቲ ፁሑፍ ብዕሊ ዝተነፀረን ቑልፊ ሓደጋና ክራይ ኣካብነት ኣረኣእያን ተግባርን እንብሎ ማለት እዩ። እዚ ሓደጋ እዚ እንታይ እዩ? ካብ ምንታይ እዩ ዝነቅል? ባህሪኡ፣ መፍትሒኡን ኣመኻኽትኡን ከመይ እዩ ክኸውን? ዝብል ሰፊሕን ዝርዝርን መፅናዕቲ ተገይሩ።

ብዝተኽኣለ መጠን ተመክሮ ዓለምን ብፍላይ ከዓ ኣብ ተመክሮታት ሰሜን ምብራቕ ሃገራት ኤዥያን ተመስሪቱ ኣብቲ እናሃንፆ ስርዓት ዘጋጥም ቁልፊ ሓደጋን ባህሪኡን ኣመኻኽትኡን ብዝምልከት ዝመለሰ መስመር እውን ‘ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ተሃድሶ እቲ ካልኣይን ብጣዕሚ ፍሉይን ታሪኻዊ ዓወት ዝገብሮ ካልኣይ መሰረታዊ ዓወት እዩ። እተን ክልተ ወሰንቲ ኣብ ተሃድሶ ዝተመዝገባ ቁልፊ ዓወታት ጉዕዞ ዳግማይ ትንሳኤ ህዝቢ ትግራይ /ኢትዮጵያ ዘበሰረ ነቲ ኣብ 15 ዓመታት ዝተመዝገበ መስተንክራዊ ዓወታት ቑልፊ መሰረት ኮይኑ ዘገልገለ ዓወታት እዩ።

ስለዚ ተሃድሶ 1993 ዓ/ም ብፍላይ ኣብ ታሪኽን ቃልስን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ናብ ካሊእ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ተሃድሶ ’ዩ ነይሩ ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና። ነተን ክልተ መሰረታዊ ዓወታት መንቀሊ ገይርና ድሕሪ ተሃድሶ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት እንታይ እዮም እቶም ዝተመዝገቡ ዓወታት ዝብል ምርኣይ ጠቓሚ ይኸውን። ፈለማ እቶም ዝገለፅናዮም መስመራት፣ ስትራተጅታትን ፖሊስታትን ድሕሪ 15ዓመታት ኮይንና ክንርኢ ከለና ብተግባር ተፈቲኑ ኣብ ኩሉ መዳያት እንጀራነቱ ኣመስኪሩ እዩ። ንኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመታት ብዘይምቁራፅ ንቑልቁል እናወረደ ዝፀንሐ ህዝብን ዓድን ሕዚ ሳላ እቲ ፅሩይ መስመር ምንቁልቛል ተዓጊቱ ናብ ዳግማይ ተሃድሶ ትንሳኤ ዝወስዱ መሰረታዊ ዓወታት ክረጋገፁ ጀሚሮም ኣለዉ። ንመላእ ህዝብና ንመላእ ኣባል ህወሓት ናይ ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስትና ብድምር ውድብና፣ መንግስትናን ህዝብናን ኣብዙርያ እቲ መስመር ዘይጠፍእ ሓዊ ኣቀፃፂሎም እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ልምዓት ተዋዲዶምን ሰሚሮምን ብምንቅስቓሶም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከምቲ ልሙድ ሓቢሮም ብፅንዓት ብዝገበርዎ ብርቱዕ ርብርብ መስተንክር ዝበሃሉ ዓወታት ኣመዝጊቦም እዮም።

Photo - Alem Gebrewahd, executive member of TPLF, EPRDF, and head of TPLF Secretariat
Photo – Alem Gebrewahd, executive member of TPLF, EPRDF, and head of TPLF Secretariat

ወይን፦ እቶም ዓወታት በየናይ መዳይ ክንገልፆም ንኽእል? ነቶም ቀንዲ ዓወታት ዝብልዎም ጉዳያት ዝርዝር መብርሂ እንተዝህብሎም?

ኣይተ ኣለም፦ እቶም ዓወታት ብብዙሕ መዳይ ክግለፁ ዝግበኦም መሰረታዊ ዓወታት እዮም። ምናልባት ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ፣ ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ልምዓት፣ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊን ኣብ መዳይ ህንፀትን ምዕባለ ውድብናን እንታይ ዓወታት እዮም ተመዝጊቦም ዝብል ኣብ ኣርባዕተ ነገራት መበገሲ ገይርና እንተረኣናዮም ፅቡቕ ይመስለኒ።

ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ እንተወሲድና፣ እቲ ቑልፊ ስትራተጂና ብሕርሻ ዝምራሕ ናይ ኢኮኖሚ ኢንዱስትሪ ናይ ምርግጋፅ ስትራተጂ እዩ። ብደረጃ ሃገር ኣብ ተሃድሶና ዝተነፀረ ስትራተጂ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ስለዝኾነ ነዚ ስትራተጂ ኣብ ትግራይን ብህዝቢ ትግራይን ከመይ ከም ዝትግበር መበገሲ ገይሮም 15 ዓመታት ተረባሪቦም እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኢኮኖሚ ሕርሻ መሰረት ገይርና እንትንርኢ፣ ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምንታይ ዝወደቐ ከምዝነበረን ብኻልኦት እውን እንታይ ከምዝበሃልን ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ኣዐርዩ ብብዙሕ ሽግራት ተኸቢቡ ኣብ ሰፊሕ ፀገም ዝነበረ ሕርሻ ትግራይ ሓመዱ ዝተሸርሸረ፣ ተፈጥሮ ሃፍቱ ዝበረሰ እዩ ነይሩ። ነዚ በቲ ዝተቐመጠ ስትራተጂ መሊስካ ብምቅላስ ብፍላይ ከዓ ሓረስታይ ትግራይ መሬቱ፣ ጉልበቱ፣ ማዩ ብምውዳድ ብቐንዱ ድማ እቲ ዓብዪ ለውጢ መፂኡ ክንብሎ እንኽእል ኣተሓሳስባ እቲ ሓረስታይን ኣረኣእያ እቲ ገባርን ብመሰረቱ ካብቲ ንዘመናት ዝፀንሐ ኣብ ናይ ምግቢ ሃልኪ ዝተመስረተ ብጣዕሚ ፀቢብ ናይ ምዕባለ ኣድማስ እናወፀ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘምርሐ መፍረያይነትን ኣረኣእያን እናተሰጋገረ እዩ መፂኡ።

ሓረስታይ ትግራይ ሐዚ ናብ ዘየቋርፅ ብዕዳጋ ዝምራሕ ብጣዕሚ ገፊሕ ናይ ምፍራይ ኣድማስ ዝተሰጋገረሉ፣ ብካሊእ ኣገላልፃ ቀሊል ዘይበሃል ሓረስታይ ሃፍታም ገባር ኣብ ገጠራት ትግራይ ሐዚ ስፍሕ ብዝበለ መንገዲ እናተበራኸተ ዝመፀሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብዚ እታ ዓባይ ዓወት ክንብላ እንኽእል ብመሰረት እቲ ዝተቐመጠ ፖሊስን ስትራተጂን እታ ንዘመናት መፍረያይነት ናይቲ ሓረስታይ ሓፂራ ሒዛ ዝነበረት ንምግቢ ኢልካ ጥራሕ ዝፈሪ ዝነበረ ሕዚ ግን ሓረስታይ ትግራይ ዘፍርዮ ፍርያታት ማእኸሉ ንዕዳጋ ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ካብቲ ኣብ ገጠር ሓረስታይ ትግራይ ለውጢ መፂኡ ኢልና ክንዛረበሉ እንኽእል ዓብዪ ዓወት ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል እዩ።

ኣብ ገጠራት ትግራይ ኮነ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ኣተሓሳስባ ዝነቅል ዝተፈላለዩ ዘመናዊ እታዎታት ብምጥቃም ሜላ ኣተሓራርስኦም ብምምሕያሽ ዝመፅእ ዘሎ ናይ መፍረያይነት ለውጢ ብኡ ኣቢሉ እናተረጋገፀ ዝመፅእ ዘሎ ዓወት ውሕስነት ምግቢ መሰረታዊ ዓወት ተገይሩ ክውሰድ ዝግበኦ እዩ።

ውፅኢቱ እንትርአ እውን በቶም ዓበይቲ መዐቀኒታት ኢኮኖሚ ምንካይ መጠን ትሕቲ መስመር ድኽነት ዓብዪ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ። ሕዚ ትግራይ ካብታ ሃገር ብላዕሊ እውን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከብ ሓረስታይ ኣብ ትግራይ ካብ 55 ምኢታዊ ዘይንእስ እዩ ነይሩ። ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብዝተገበረ ሰፊሕን ከቢድን ርብርብ ግን ኣብ ትግራይ መጠን ትሕቲ መስመር ድኽነት ናብ ከባቢ 22 ምኢታዊ ከም ዝወረደ ኢና ንርኢ። እዚ ናይ ብሓቂ መስተንክራዊ ዓወት እዩ። መጠን ስእነት ስራሕ እውን እንተኾነ ኣብቲ ገጠር ቀሊል ብዘይበሃል ደረጃ እዩ እናነከየ መፂኡ። ናይ ትግራይ ናይ ሕርሻ መሬት ብነፍሰ ወከፍ ሄክታር ፍርያት ቅድሚ ተሃድሶ ካብ ሓሙሽተን ሹዱሽተን ኩንታል ዘይበልፀሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ክንርኢ ከለና ግን ብሄክታር ልዕሊ 18 ኩንታል ዝበፅሐሉ ህልዊ ኩነታት ኢና ንርኢ። ብጠቕላላ ቅድሚ ተሃድሶ ኣብ ትግራይ ዓመታዊ ካብ ሕርሻ ዝርከብ ዝነበረ መጠን ፍርያት ካብ ሽድሽተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልየን ኩንታል ዘይበዝሕ እዩ ነይሩ። ሕዚ ኣብዝሓለፈ 15 ዓመታት ብዝተገበረ ርብርብ ግና 18 ሚልዮን ኩንታል፣ ልምዓት መስኖ ሓዊስካ ድማ ልዕሊ 30 ሚልዮን ኩንታል ዓመታዊ ፍርያት ዝበፅሐሉ ኩነታት ኢና ንርኢ። እዚ ድማ መሰረታዊ ዓወት እዩ።

ስለዚ ገባር ትግራዋይ ብዝለዓለ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ተዓጂቡ ከባቢኡ ካብ ምሕዋይ እውን ሓሊፉ ብመስኖ፣ ብሃፍቲ እንስሳ፣ ብፍላይ ከዓ ብፍረምረን ኣሕምልትን ብፀባን ስጋን ዓብዪ ናይ መፍረያይነት ለውጢ የምፅእ ኣሎ። እቲ ከምዚ ዓይነት ምጅማር መፍረያይነት እናተጠናኸረ እውን ይኸይድ ስለ ዘሎ ሰፊሕ መሰረት ዝኸውን ኣግሮ አንዳስትሪ እናተኸፈተ ዝኸደሉ ኩነታት ኢና ንርኢ ዘለና። ነዚ ስዒቡ ብፍላይ መስኖን ሃፍቲ እንስሳን መሰረት ገይሮም ክመፁ ንዝኽእሉ ስራሕቲ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ (ምቅንብባር ምህርቲ ሕርሻ) ብጠቕላላ መሰረት ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ኣብ ምዕራብ ትግራይ ባዕኸር ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ሰፊሕ ናይ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ፓርክ ንምፍጣር መሰረት ዝኾነ ምዕባለ እውን እዩ እናመፀ ዝኸይድ ዘሎ ማለት እዩ። ስለዚ ናይዚ ኣጠቓላሊ ምንቅስቓስ ውፅኢት ናይቲ ገጠር ፖለቲካል ኢኮኖሚ፣ ልምዓታዊ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ዓብላሊ ክኾን ገይርዎ እዩ።

ብምኽንያት እዚ መሬት ገጠር ኣብዚ እዋን ምንጪ ልምዓት እዩ ኮይኑ። ብመሰረቱ እቲ ገባር ትግራዋይ እታ ፍልጠቱ፣ ጉልበቱ ኣዋፊሩ ካብ ዝሓሹ መሓዙቱ፣ ካብ ዝሓሸ ተሞክሮ ዝወነኑ ከባብታት እናተምሃረ መፍረያይነቱ ከዕቢ ዝረባረበሉ ልምዓታዊ ኣረኣእያታቱ ጐልቢቱ ዝወፀሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና ምባል ይከኣል። ስለዚ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ለውጢ ኣብቲ ገጠር ሓደ መሰረታዊ ዓወት ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእልን ዝግባእን እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ። ብምኽንያት እዚ ነቲ ዝተፈጠረ ማዕረ ዕድል ተጠቒሞም ግን ከዓ ክእለቶምን ፍልጠቶምን ብልምዓታዊ መንገዲ ኣማዕቢሎም ነቲ ዕድል ብዝበለፀ ዝተጠቐሙ ሓረስቶት ብመንገዲ ልምዓታውነት ከይዶም ዝሃፍተሙ ሓረስቶት ብበዝሒ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝበራኸትሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ገጠራት ትግራይ ኣብቲ ሓረስታይ ሕዚ ብዘገርም መንገዲ ምውህላል “ካፒታል” ይፍጠር ኣሎ። ኣማኢት ኣሽሓት ብር ሓለሓሊፉ እውን ሚልዮናት ብር ናብ ጁባ ገባር ትግራዋይ ክኣቱ ጀሚሩ ኣሎ። ብሞዴልነት ብልምዓታዊ መንገዲ በቲ ሓረስታይ ሙሉእ ተቐባልነት ዝረኸቡ ናይቲ ስርዓት በዓል ዋና ዝኾኑ ሓዱሽ ደርቢ ሓዱሽ መራሕቲ ናይቲ ገጠር ምፍጣሮም ኣፍቲ ገጠር ካብቶም ድሕሪ ተሃድሶ ብዓብዩኡ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ኣውራ ናይቲ ዓወት ተገይሩ ክውሰድ ዝኽእል እዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ኣብቲ ናይ ለውጢ መሰረቱ ብሰፊሑ ክርአ ዝግበኦ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝኸድናዮን ዝተኸተልናዮን ስትራተጂ ዝምልከት እዩ። ሕርሻ ትግራይ ብመሰረቱ ተፈጥሮ ሃፍቱ ብምቕያርን ብምምሕያሽን ኣብ ሰፊሕ ምዕባለ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ነጥቢ መቐይሮ ስራሕን ውፅኢትን መሰረት ዝገብር እዩ። ብፍላይ ሓመዱ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዝተሸርሸረ፣ ንዘመናት ዝተጓሕጐሐ፣ ሚዛን ጠባይ ኣየሩ ዝተዛበዐን ተፈጥሮ ደኒ ዝበረሰን ትግራይ ናይ ውድብና ስትራተጂ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምዕቃብ ኣቢልካ ብዝፍጠር ለውጢ ናብ ናይ ሕርሻ ዘመናውነትን ቴክኖሎጅን ብምጥቃም ንኢኮኖሚ ኢንዳስትሪ ምስግጋር ብዝብል ዝተመርሐ ስትራተጂ ብልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ተኣምር እዩ ተሰሪሑ ክበሃል ዝከኣል።

ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፍላይ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምኡ እውን ልምዓት ደኒ ዋላ’ኳ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዝተጀመረ እንተነበረ ድሕሪ ተሃድሶ ብሓያል ምንቅስቓስን ምልዕዓልን ተኣምር ብዝበሃል ደረጃ እውን ቀፂሉ ዝመፀ ስራሕ እዩ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝለዓለ ውራይ ብዝለዓለ ቓልስን ወነን ሰሪሐሞ እዮም። እቲ ስራሕ ኣብ ክልልና ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ሃገርና እውን እቲ ዋና ተዋሳኢ ልምዓት ጥምረትን ስምረትን ዝተርኣየሉ፣ ብፍላይ ከዓ ብሓደ ስሙር ግንባርን ጥምረትን ብመልክዕ ሰራዊት ተዋሲኦም ቑልፊ መልዓሊ ህንፀት ሰራዊት ልምዓት ኮይኑ ዘገልገለ ስርሒትን ዓወትን ተባሂሉ ክቕመጥ ዝኽእል ይመስለኒ። እዚ ተግባር ንሃገር እውን ኣብነት ዝኾነ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ በቲ ዝተኻየደ ፅዑቕ ክያዶታት ገጠራት፣ ጎቦታትን ጐላጉልን ትግራይ ኣጠቓላሊ ከባቢኡ ምስ ምሕዋይን ምውሳኽ ከርሰ ምድሪ ማይን ሽፋን ደንን በዚ ምኽንያት እውን ኣጠቓላሊ ጠባይ ሚዛን ኣየር እናተመሓየሸ ምምፅኡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምግፋሕ ሰፊሕ ስራሕቲ መስኖ፣ ስራሕቲ ልምዓት እንስሳ ንምክያድ ሰፊሕ ከምኡ አውን ንክረምታዊ ዝራእቲ ምምዕባል መሰረት ኮይኑ ዘገልገለ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ተሳሊጡ እዩ።

ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣዐርዩ ዘተባብዕ ምግፋሕ መስኖ ኣሎ። ኣብ ሕድሕድ ሓረስታይ ባንኪ ማይ ናይ ምፍጣር ስራሕ ርሑቕ ከይዱ ኣሎ። ዝተዋደደ ምስ ዕዳጋ ዝተኣሳሰረ፣ ናይ ፍረምረ፣ ኣሕምልቲ ከምኡ እውን ስራሕቲ ሃፍቲ እንስሳ ብዝገርም መንገዲ ይመፅእ ኣሎ። ሕዚ ገጠራትን ሓረስታይን ትግራይ ድርቂ ናይ ምፅዋርን ምምካትን ዓቕሙ ብስነልቦና፣ ብኣወዳድባ ከምኡ እውን ብጭቡጥ ቁጠባ እናሐየለ መፂኡ ኣሎ። ናይ ዓሚ ድርቂ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዝተርኣዩ ድርቂታት እቲ ዝሰፍሐን ዝዓሞቐን እዩ ነይሩ። ይኹን ምበር ህዝቢ ትግራይ፣ ውድብ ህወሓትን መንግስትን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝገርምን ብዝበለፀን መኪቶምዎ እዮም። ስለዝኾነ ድሕሪ ተሃድሶ ዝተነፀረ ስትራተጂ ገጠር ኣብ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን መሰረት ገይርካ ዝተሰርሐ ስራሕ እቶም ዝገለፅክዎም ዓበይቲ ዓወታትን ነቲ ናይ ቅድሚት ጉዕዞ ምዕባለ መሰረት ክኾኑ ዝኽእሉን ዓወታት ዝተመዝገበሉ እዩ ተባሂሉ ክቕመጥ ዝኽእል እዩ።

ኣብ ገጠር ንስራሕቲ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብሓፈሻ ስራሕቲ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዝሕግዙ ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታት ብገፊሑ ተኻይዶም እዮም። በዚ ድማ መሰረተ ልምዓት ገጠር ርኡይ ዝኾነ ዓወታት ተመዝጊብሉ ኣሎ። መንገድታት ገፀር ብሰፊሑ ተሰሪሑ እዩ። ካብ ናይ ገጠር መንገድታት ናብ ኣውራ መንገድታት ዘተኣሳስሩ ብስፍሓት ተሃኒፆም ኣለዉ። ካብ ጣብያታት ናብ ወረዳታት ዘተኣሳስሩ መንገድታት ብስፍሓት ተወጊኖም ኣለዉ። ናይ ገፀር ሓይሊ መብራህቲ፣ ቴሌ፣ መስተ ማይን ናይ መስኖ ግድባትን ዝመሳሰሉ መሰረተ ልምዓታት ተሃኒፆም ኣለዉ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብቲ ገጠር ዝተፈላለየ መሰረተ ልምዓት፣ ምግፋሕ ቀረብ እታወታት፣ ምግፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ምምላእ መጓዓዝያን ካልኦት ወሃብቲ ግልጋሎታትን… ወዘተ ድምር ኣብ ናይቲ ገጠር መሰረተ ልምዓት እውን ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ከም ውፅኢቱ እውን ኣብ ገጠር ዘሎ ይኹን ከተማ ዘሎ ህዝብና ካብዚ ብስፍሓት ተጠቃሚ እናኾነ መፂኡ እዩ። ምስ ዓብዪ ውስንነቱ እንተኾነ እውን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ናይቲ ፍትሓዊ ልምዓት ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም። እዚ ዓብዪ ዓወት እዩ። ድሕሪ ተሃድሶ ተረጋጊፆም ዘለዉ ዓወታት ነቲ ኣብ ዓሚዩቕ ሽግር ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረቱ ናብ ቀፃልን ዘየቋርፅን ዓወታት ልምዓት ክምርሽ መሰረት ኮይኖሞ እዮም ክንብል ንክእል።

ወይን፦ ብመዳይ ኢኮኖሚ ኣብ ገጠር ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብመዳይ ከተማ ‘ኸ ብኸመይ ክንገልፆም ንኽእል?

ኣይተ ኣለም፦ ቅድሚ ተሃድሶ ኣብ ከተማታት ዝተወሰነ ደረጃ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝተጀማመሩ ስራሕቲኳ እንተነበሩ ብመሰረቱ ስራሕቲ ከተማ ብቐንዱ ዝተጀመረ ድሕሪ ተሃድሶ እዩ። እቲ ቁልፊ ስትራተጂ ኣብ ከተማታት ብፍላይ ድሕሪ ተሃድሶ ተነፂሩ ዝተኣተወ ብሰፊሑ ዝተሰርሐሉ ምስፍሕፋሕ ትካላት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛትን እዩ። እቲ ስትራተጂ ከም ዝፍለጥ ነቲ ኣዐርዩ ዝበዝሕ ዝተምሃረ ይኹን ዘይተምሃረ ነባሪ ከተማ ህዝብና ዝሓቁፍን ሰፊሕ ተጠቃምነት ኢኮኖሚ ዘንቀሳቕስን ዓውደ ስራሕ እዩ። ስለዚ ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብጣዕሚ ሰፊሕ ክበሃል ዝከኣል ምስፍሕፋሕ ልምዓት ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት እዩ ተኻይዱ። ነቲ ስራሕ ዝሕግዙ ሰፋሕቲ ስልጠናታት፣ ቀረብ መሬትን ልቓሕን ከምኡ እውን ደገፍ ስርዓት ኤክስቴንሽን ኣብ ምትእስሳር ዕዳጋ ብሰፊሑ እዩ ተሰሪሑ። ኣብዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ወገናት ተዋሳእትን ተጠቀምትን ኮይኖም እዮም።

ኣብዚ ከይዲ እዚ ከምቲ ኣብ ገጠር መፂኡ ዘሎ ለውጢ ኣብ ከተማታት እውን ሰፊሕ ምውህላል ካፒታል ብደቀቕትን ኣናእሽተይን ደረጃ እናተፈጠረ መፂኡ እዩ። ካብቲ ዝፍጠር ዘሎ ልምዓት ምውህላል ሃፍቲ እውን ታሕተዋይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከተማታትና ብሰፊሑ ተጠቃሚ እናኾነ መፂኡ ክበሃል ይከኣል እዩ። እቲ ዝተምሃረ ወይ ብመንገዲ ትካላት ቴክኒክን ሞያን (TVET) ዝፈረየ መንእሰይ እውን ብፍላይ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ስራሕቲ እናኣተወ መሰረት ነቲ ማእኸላይን ዓበይትን ኢንቨስትመንት እናተፈጠረ ዝመፀሉ ዓወታት እናተመዝገበ መፂኡ ክንብል ንኽእል ኢና።

ካልኣይ ኣብተን ከተማታት እቲ ናይ ማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኢንቨስትመንት ብዝለዓለ ብርኪ እናተሰርሐ ዝመፀሉ ኩነታት ኣሎ። በቲ ኣጠቓላሊ ድሕሪ ተሃድሶ ዝተፈጠረ ምትብባዕ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ኢንቨስትመንት እናተኣታተዉ መፂኦም እዮም። ብሓደ ገፅ እቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ዝርካቡ በዓል ሃፍቲ ብፍላይ ከዓ ድሕሪ ተሃድሶ ብሰፊሑ በቲ ዝተቐመጠ ኣንፈት፣ ስትራተጂ ዕድል ተጠቒሙ ዝመፀ በዓል ሃፍቲ ኣብ ዘመናዊ ሕርሻ፣ ኣብ ኮንስትራክሽን፣ ኣብ ኣታውን ወፃእን ንግዲ፣ ኣብ ማዕድን ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ማኑፋክቸሪንግ ዝዋሳእ በዓል ሃፍቲ ኣብ ትግራይ እናተበራኸተ እዩ መፂኡ። ድሕሪ ተሃድሶ ዋላኳ ብዝተሓዋወሰ መንገዲ ማለት እውን ብልምዓታውነትን ክራይ ኣካብነትን ዝኸደን ዝመፀን እንትኾነ ግን ዓብዪ ክብደት ዝወሃቦ ሰፊሕ ምፍጣር ሰብ ሃፍትን ሰፊሕ ምውህላል ካፒታልን ዝተርኣየሉ መስርሕ እዩ ነይሩ ኢልካ ክውሰድ ዝኽእል እዩ። እዚ ከዓ መሰረታዊ ዓወት እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ሸቃሎ ብተነፃፃሪ ስራሕ ክረኽቡ ተመጣጣኒ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝገበረ መስርሕ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣመራርሓ ሓይሊ ሰብ እውን ኣብቲ መስርሕ ክዋሳእን ተጠቃሚ ክኸውንን ክኢሉ እዩ። መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከተማ እውን ምስ ዓብዪ ውስንነቱ ዝተረብሕሉ መስርሕ እዩ፡፡ እዚ ብምዃኑ እውን ምስ ጉድለታቱ ዓብዪ መሰረታዊ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ ኢልካ ክውሰድ ይከኣል እዩ።

በቲ ኻልእ መዳይ ኣብ ትግራይ ጉዕዞ ምዕባለ ኢንዳስትሪ እንትርአ ብሰብ ሃፍቲ ጥራሕ እንተይኮነ ብፍሉይ ኣጋጣሚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዘካየድዎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድሕሪ ዓወት እቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝነበረ ሃፍቲ እቲ ኣብ ቓልሲ ዝነበረ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተመቓቒሉ ካብ ዘጥፍኦ “እቲ ሃፍቲ ንሱ ተኣኪቡ ትግራይ ንምልማዕ እንተወዓለ ዝሐሸ እዩ” ዝብል ውድብ ብዓብዪ ሓላፍነት ወሲኑ ዘጣየሾ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) እዩ። እታ እንትርፊ ንኡሽተይ ናይ ኲሓ ፋብሪካ ፊኖን ንፋብሪካ ዝኸውን መዓድንን ሃፍቲ ተፈጥሮን የብላን ትበሃል ዝነበረት ትግራይ ትእምት መሰረት ኢንዳስትሪ ዝኾና ፋብሪካታት ብምትካል ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ክኸውን ዝገበረ ታሪኻዊ ስራሕ ፈፂሙ እዩ።

ትእምት እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ 1993 ዓ/ም ዝተኻየደ ተሃድሶ ህወሓት ንባዕሉ እውን ኣብ ውሽጡ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ህዳሰ ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብዝለዓለ ደረጃ ተጠናኺሩ እዩ። ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ዓበይቲ ፋብሪካታት ንክኸውን፣ ህዝቢ ትግራይ ብኢንዳስትሪን ፋብሪካታትን ካብ ሃገሩ ከይትሕት ዘኽአለ ሰፊሕ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትራላይዘሽን ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ። ምስዚ ብምትእስሳር ትእምት ፅላል ናይ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ከምኡ እውን ናይ ሰብ ሃፍቲ ብምዃን ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ልምዓት ህዝቢ ትግራይ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እናተፃወተ ዝመፀ ትካል ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ከተማታት ክንሓስብ ከለና፣ ኢኮኖሚ ከተማታት ካብ ምግፋሕን ምጥንኻርን ዘመናዊ መሰረተ ልምዓት ወፃኢ ዘይሕሰብ እዩ። ድሕሪ ተሃድሶ መስመር ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ብፌደራል ይኹን ብክልል ዝለዓለ ካፒታል እናተመደበ ሰፊሕ ምግፋሕ መሰረተ ልምዓት ኣብ ከተማታት እናተፈጠረ መፂኡ እዩ። ኣብ መንገድታት፣ ኣብ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኣብ መብራህቲ፣ ኣብ ባቡር፣ ኣብ ማይን ካልኦት ዝተፈላለዩ ህንፃታትን ብሰፊሑ እናተሃነፁ ዝመፁሉ ጉዕዞ 15 ዓመት እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ካብ ዝተርኣየ ታሪኽ ብዝተፈለየ መንገዲ፣ ብዝገርም ቅልጣፈን ግዝፈትን እውን ክበሃል ዝኽእል መሰረተ ልምዓት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮዽያ ብሰፊሑ እዩ ተጋፊሑ። ምስ መንገድታት ተዛሚዱ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ ኣብ በረኻ ትግራይ ሓደ መግለፂ ነይሩ፣ መፃኢ ልምዓትን ምዕባለን ትግራይ ብምግላፅ ምብርባር ቓልሲ ክግበር ከሎ ብዛዕባ መንገዲ እንትልዓል ነፍሲ ወከፍ ሓረስታይ እውን ካብ ኣእምሮኡ ዘይፍለ ዝመስለኒ፣ “ትግራይ ብመንገድታት ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ድማ ካብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ኣይፏሓቑን። ናይ ብሓቂ ትግራይ ሎሚ ብመንገድታት ዓይኒ ዓራት ኮይና ክበሃል ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ብኹሉ ኩርናዓት ትግራይ ዝተኣሳሰረ ፍሰት መንገድታት ኣሎ። ስለዚ ከተማታት እውን እንተኾነ ብመንፅር ዕብየት ኢኮኖሚ ማእኸለዎትን ናይ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ነቲ ዝበዝሐ ሓፋሽ ዝሓቖፈ ልምዓት መሰረት ዝገበረ፣ ናይ ማእኸለዎትን ዓበይትን ኢንዳስትሪታትን ኢንቨስትመንትን እውን እናተጠናኸረ ዝመፀ፣ ነዚ ብሰፊሑ ዝሕግዝ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከዓ ብዓብዪኡ ዘተኣታተወ ልምዓት ኣብቲ ዝሓለፈ 15 ዓመት እናተጠናኸረ እዩ መፂኡ።

ስለዝኾነ እውን ሕዚ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ኩነታት ምኽታም እናተፈጠረ መፂኡ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ናብ ከባቢ 30 ምኢታዊ ዝኸውን ሕዚ ኣብ ከተማ ምስፋር ጀሚሩ ኣሎ። ዝመፅእ ዘሎ 10 ዓመታት ወሲኽካ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከተማታት ከም ዝነብር ብዓብዩኡ የመላኽት ኣሎ። ብምዃኑ እውን ጥዕና ዘለዎ ምኽታም (ሄልዚ ኣርባናይዜሽን) ካብ ገጠር ንዝሓሸ ተጠቃምነትን ናብራን ናብ ከተማ ዝፈልስ ብፍላይ እቲ ካብ ገጠር እናመፀአ ዝመሃር ዘሎ መንእሰይ ከዓ ብብዙሕ መንገድታቱ ናብቲ ገጠር ተመሊሱ ስለዘይኸይድ ምስቲ ቕልጡፍ ምዕባለ ኢንዳስትሪን ኣብ ሕርሻ ዝመፅእ ዘሎ ምዕባለታትን ንቕድሚት ዘሎ ተስፋ ዝህብ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ኣዋዲድካ ክርአ ከሎ፣ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝፍጠሩ ገፋሕቲ ምህዞታት ስራሕ ምኽታም ዳርጋ መለለይ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኾነሉ ብርኪ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። እዚ ከዓ ዓብዪ መሰረታዊ ዓወት እዩ። ናብ ከተማ ንዝበለፀ ተጠቃምነት ምምፃእ ጥዑይ ጉዕዞ ልምዓት ገጠርን ከተማን ተኣሳሲሩ ናብ ዝበለፀ ልምዓት ክሰጋገር ዝኽእል ጉዕዞ ምዃኑ ኢና እንርኢ ዘለና። ብኣጠቓላሊ ውፅኢት ክልቲኡ ክንሪኦ ከለና ኣብ ኢኮኖሚ ተመዝጊቦም ዘለዉ ዓበይቲ ዓወታት ነቲ ሓያል ናይ ስልጣነ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ናብ ስልጣነኡ ንክምለስ ዳግማይ ትንሳኤ ንምብሳር ዝገብሮ ተጋድሎ መሰረት ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ ኣብ ገጠር ኣብ ከተማ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት መፂኦም ኣለዉ ኢልና ክንድምድም እንኽእል እዩ ዝመስለኒ።

ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ልምዓት እውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ኣብ ትምህርትን ጥዕናን መሰረት ገይርና ምርኣይ ይከኣል። ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዕጥቃዊ ቓልሲ ህወሓት፣ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ዝተሰርሐ ስራሕ እዩ። እዚ ከዓ ድሕሪ ተሃድሶ ኣዐርዩ ተጠናኺሩ ዝቐፀለሉ ኩነታት ኢና እንርኢ።

ትምህርቲ ንሕና ከም ህዝቢ ትግራይ ቝልፊ መውፅኢ መንገድና ኢልና እንወስዶ እዩ። ከም ተጋሩ መሰረታዊ ብልጫ ኣብ ትምህርቲ ክንወስድ ኣለና። በዚ ኣተሓሳስባ ዝተመርሐ ትምህርቲ ትግራይ ዓበይቲ ዓወታት እናተመዝገብሉ መፂኦም እዮም። ብመንፅር ሽፋን ትምህርቲ ክንርኢ ከለና ኩሉ ህፃን ናብ ትምህርቲ ክኣቱ ዝተገበረ ርብርብ ብጣዕሚ መሰረታዊ እዩ። በዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ሲሶ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ኣሎ።

ሽፋን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሓደ ህፃን ኣብ ክልተ ሰለስተ ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ውሽጢ ካብ ዒስራን ሰላሳን ደቓይቕ ዘይሓልፍ ጉዕዞ ተጓዒዙ ቤት ትምህርቲ ዝረኽበሉ ኩነታት ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ እዩ። ምእንተ እዚ እውን ብኣሽሓት ዝቑፀራ ትካላት ትምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ፣ ቲቪኢቲ (ቴክኒክን ሞያን) ካብዚ ሓሊፉ ኮለጃትን ዩኒቨርስቲታትን ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ እናተጠናኸረ መፂኡ እዩ። ስለዚ ዘኹርዕ ከም መሰረታዊ ዓወት ክዝረበሉ ዝኽእል መስርሕ ምርግጋፅ ሽፋን ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዓብዪ ዓወት ተገይሩ ዝውሰድ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ።

መስርሕ ትምህርቲ ከይዲ ምቑፃር ቀለም ከይኸውን ዘስርሕ ፍልጠት፣ ሞያ፣ ክእለት፣ ከምኡ እውን ስነ-ምግባር ዝሓለወ መንእሰይ ንምፍጣር ናብቲ ኢኮኖሚ፣ ናብቲ ዕዳጋ ኣትዩ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ክእለት ዝዓጠቐ መንእሰይ ንምፍጣር ስልጠናታት ንምስፋሕ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ምስውሱንነቱ እውን እንተኾነ ፅርየት ትምህርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ እናተጠናኸረ ዝመፀሉ ኩነታት ንምፍጣር ድሕሪ ተሃድሶ ብሰፊሑ ተሰሪሑ እዩ። ብምዃኑ እውን ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ወዲ ሓረስታይ ትግራዋይ ሕዚ በዓል ዲግሪ፣ በዓል ማስተርስን ፒኤችዲን ዝኾነ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ንባዕሉ ታሪኻዊ፣ ድሙቕን ኣንፀባራቕን ዓወት እዩ። ከም ህዝቢ ከም ትውልዲ ድማ ካልኣይ ብርኪ ቀዳማይ ሳይክል (10ይ ክፍሊ ዝወድአ) ትውልዲ ክፍጠር መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ እዩ። እዚ እውን ታሪካዊ ዓወት ናይቲ ቃልሲ እዩ።

ኣብ መዳይ ጥዕና እንተሪእና ድሕሪ ተሃድሶ ብቐንዱ ብመሰረት ፖሊሲ ምክልኻል ሰፊሕ ምንቅስቓስ ጥዕና ተወሊዑ እዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብኣመራርሓን ብበዓል ሞያ ጥዕናን ተሓጊዘን ጠቕላላ ንምክልኻል ሕማም ዝወለዐኦ ቓልሲ ብፍላይ ምሕላው ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምርግጋፅን ካብዚ ተመስሪቱ እውን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ብሰፊሑ ንምቅናስን ዝተኻየደ ማሕበራዊ ወያነ ዓብዪ ለውጢ ዘምፃእናሉ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ወሊድ ግዜ ዝሞታ ኣዴታት ዝሞቱ ህፃውንትን ብጣዕሚ ሰፊሕ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ዝቐነሰሉን ናብ ታሕቲ ዝወረደሉን ስራሕቲ ጥዕና ተሰሪሑ እዩ። ኣብ ጣብያ ጥዕና ዝወልዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሐዚ እዋን 72 ምኢታዊ ዝበፅሓሉ ኩነታት እውን እዩ ተበፂሑ ዘሎ። ምናልባት እተን ቅድም ኢለን ዝማዕበላ ሃገራት ምዕራብ ጥኑሳት ኣዴታት ናብ ትካል ጥዕና መፂአን ዝወልዳሉ ስርዓት ንምፍጣር ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝወደአ ስራሕ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ክልተ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘይመልእ ብናይ ውድበንን መንግስተንን ኣመራርሓ ናብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪካዊ ዝኾነ ዓወት ዘብፅሕ ቃልሲ ኣካይደን ፈፂመንኦ ኣለዋ። እቲ ኣብ ጥዕና ዝተወለዐ ምንቅስቓስ ድምር ውፅኢቱ ጉልበት ዘለዎ ጥዑይ ትግራዋይ፣ ዝሓሸ ጥዕና ዝወነነ ኮይኑ ኣብ ልምዓት ዝዋሳእ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፣ ዕድመን ጥዕናን ሕድሕድ ትግራዋይ ብማእኸላይ ዕድመ ናብ 64 ዓመት ክበፅሕ ዘኽኣለ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። እዚ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ እንተነፃፅሮ ዓብዪ ብልጫ ዘለዎ ስራሕ እዩ። ስለዚ ኣብ ጥዕና ዝተመዝገበ ዓወት ንቕድሚት ስራሕቲ ጥዕና ትራንስፎርም ንምግባር መሰረት ክኾኑ ዝኽእሉ ዓበይቲ ፍፃመታት ዝተመዝገበሉ ጉዕዞ እዩ ነይሩ ኢልካ ምቕማጥ ይከኣል እዩ።

ወይን፦ ብመዳይ ፖለቲካዊ ይኹን ዓቕምታት ኣመራርሓ ውድብ ብምጥንኻር መዳይ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ኣለም፦ ብመዳይ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝተመዝገቡ ዓወታት ምርኣይ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ እቲ ሓደ ቑልፊ ነገርን ንኹሉ መበገሲ ዝኸውንን ህንፀት ስርዓት ሕገ መንግስቲ እዩ። ሕገ መንግስቲ ብደረጃ ሃገር ዝተዳለወ፣ ዝተሰነደን ዝፀደቐን ቅድሚ ተሃድሶ 1993 ዓ/ም እዩ። ስለዚ ካብቶም ቅድሚ ተሃድሶ ዝተመዝገቡ ብጣዕሚ መሰረታውያን ዓወታት ንዛ ሃገር እዚኣ ናብ ሰፊሕ ምርግጋዕን ጥዑይ ምሕደራን ዘሰጋገረ ሕገመንግስትና እዩ። ድሕሪ ተሃድሶ እውን ሕገመንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ተጠናኺሩ ዝቐፀለሉ ኩነታት ኣሎ። በዚ እውን ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። መብዛሕትኦም ምርጫታት ክልልናን ሃገርናን ድሕሪ ተሃድሶ ዝተኻየዱ እዮም። ኣብዛ ሃገር ምንጪ ስልጣን ብረት ምዃኑ ተሪፉ ናይ ምርጫ ካርዲ ምንጪ ስልጣን ዝኾነሉ ታሪኽ እናጐልበተ እዩ መፂኡ። እዚ ድማ ካብቶም መሰረታውያን ዓወታት ተገይሮም ዝወስዱ ጉዳያት ሓደ ተገይሩ ክቕመጥ ኣለዎ።

ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪ ተሃድሶ ተጠናኺሩ ዝወፀ ካሊእ ዓብዪ ዓወት ድማ ኣሎ። ቅድሚ ተሃድሶ ዋላ እቲ ሕገመንግስቲ ይፅደቕ እምበር እቲ ዘይተማእኸለ ስርዓት፣ ብፍላይ እቲ ሓፋሽ ዝመሓደረሉ ብርክታት፣ እቲ መቖሎ ስልጣን ብዘይተማእኸለ ደረጃ ናብቲ ሓፋሽ ናብቲ በዓል ዋና ህዝቢ እናወረድካ ናይ ምኻድ ስራሕ ድሕሪ ተሃድሶ እዩ ብፃዕቒ ተሰሪሕሉ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ስለዚ ድሕሪ ተሃድሶ ብዓብይኡ ዝኸደ ነቲ ህዝቢ ዘይተማእኸለ ስርዓት እቲ ስልጣን ከፋፊልካ ናብቲ ሓፋሽ ክበፅሕ ንሱ ተጠቃሚ ክኸውን ንክለማመዶ ዘግብር ሰፊሕ ምንቅስቓስ እዩ ተኻይዱ። እዚ ታሕዎት መሓውራት ናይቲ ህዝቢ፣ ምእንቲ እቲ ስልጣን ናብቲ ህዝቢ ወሪዱ ክለማመደሉ መሓውራት ጣብያን ወረዳን ዝተፈላለዩ ውዳበታት ህዝብን ክስልጥኑ ክበቕዑን ዓቕምታት ክረኽቡን ብሰፊሑ ዝተሰርሐሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ኢና ንርኢ። ስለዚ ድሕሪ ተሃድሶ ካብቶም ኣዐርዮም ፅቡቕ ተሰሪሕሎም ክበሃሉ ዝኽእሉን ተጠናኺሩ እውን ቀፂሉ ወፂኡ ዝበሃልን ዘይተማእኸለ ስርዓት ምሕደራ ጐልቢቱ ዝወፀሉ ከይዲ እዩ።

ካልኣይ ቅድሚ ተሃድሶ ኣብያተ ምኽሪ ህዝቢ እንተነበራ እውን እቲ ፈፃሚ፣ እቲ ሕጊ መውፅኢ እቲ ሕጊ ተርጓሚ ኩሎም ተሓዋዊሶም ዝኸድሉን ዳርጋ እቲ ልዕልነት ድማ ናይቲ ሕጊ ፈፃሚ ጐሊሁን ጐልቢቱን ዝረኣየሉን ኣካያይዳታት እዩ ብሰፊሑ ይርአ ነይሩ። ድሕሪ ተሃድሶ ኣብ ክልቲኡ ዝነበረ ምትሕውዋስ ብፍላይ ናይቲ ሕጊ ፈፃምን ሕጊ መውፅእን ሓይሊ ተሓዋዊስካ ምኻድ ብምውጋድ ኣብያተ ምኽሪ ነቲ ፈፃሚ ሓይሊ ዝቆፃፀራሉ ዝገርሓሉ ሕጋዊ ነፃነት፣ ፖለቲካዊ ነፃነት ተረጋጊፁ፣ ዋላ እካ ገና ዝተርፎ እንተኾነ ኣብያተ ምኽሪ ህዝቢ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸራ፣ ኣወዳድበአን ኣሰራርሐአን እናተመሓየሸ እናሓየለ ብቕዓትን ኣፈፃፅማን ሕጊ ፈፃምን ሕጊ ተርጓምን (ዳይነት) ኣብ ምቁፅፃር ብወገን ኣብያተ ምኽሪ እናተጠናኸረ ዝመፀሉ ኩነታት ብሰፊሑ ኢና እንሪአሉ ማለት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪ ተሃድሶ ድምር ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ኩለመዳይ፣ ብመዳይ ልምዓት፣ ኣብ ምምሕዳር ኣብ ኣፈፃፅማ መደባትን ተጠቃምነትን ብሰፊሑ እናተሳተፈ እናገምገመ ኣብ ምኻድ ተጠናኺሩ ዝመፀሉ ኩነታት ኢና ንርኢ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣወዳድባ ትካላት ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ድሕሪ ተሃድሶ እውን ኣዐርዩ እናተጠናኸረ እዩ መፂኡ። ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻር ግልጋሎት ህዝቢ ንምምሕያሽ ስፍሕ ዝበሉ ሪፎርምታት እናተኣታተዉ እናተፈፀሙ ዝመፅሉ ኩነታት ኣሎ። ስለዚ ኣብ መዳይ ስርዓት ፖለቲካዊ ምሕደራ እውን እንተኾነ ብሓፈሻ ኣብ ሕገመንግስቲ ዝተመስረተ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝመሰሎም ሓሳብ ሒዞም መፂኦም ዝቃለስሉ፣ ህወሓት /ኢህወዴግ እውን ምስቶም ተቓወምቲ ውድባት በብግዚኡ ነቲ ናይታ ሃገር ፖለቲካ፣ ምሕደራን ተሳትፎን ብዘጠናኸረ መንገዲ እናተጠናኸረን እናሰርሐን ዝመፀሉ ኩነታት ምንባሩ ምቕማጥ ይከኣል እዩ።

ኣብቶም ዓወታት ከም መበል ራብዓይ ነጥቢ ዝጥቀስ ዓቕምታትን ኣመራርሓን ውድብና ብምጥንኻር መዳዩ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት እንታይ እዩ ተሰሪሑ? ዝብል ርኢኻ ምሕላፍ ኣገዳሲ እዩ። ከም ውድብ ኣብቲ እዋን ተሃድሶን ድሕሪ እዋን ተሃድሶ ዝሓለፉ 15 ዓመታትን እቲ ዓብዪ ዓወት ተመዝጊቡ እንብሎ ናይ ዝፀረየ መስመር ብዓል ዋና ዝኾነ ውድብ ምዃኑ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ሕብረተሰብ ምንቅስቓስን ለውጥን ሓደ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ውድብ፣ ከም ህወሓት/ኢህወዴግ ዝመሰለ ገስጋሳይ ህዝባዊ ውድብ፣ ከም ህወሓት/አህወዴግ ዝመሰለ ሃገርን ክልልን ንምልዋጥ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ንውድቀትን ንትንሳኤን ዝተፈለየ ናይ ለውጢ መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ከማና ዝመሰለ ህዝባዊ ገስጋሲ ወድብ ከዓ ንዓወቱ ንብቕዓቱ ካብ ዝውስኑ ሓደ ቀልፍን ወሳኒን ነገር ዝፀረየ መስመር ምህላዉ እዩ።

ዝፀረየ መስመር ኣብ ዘይሃለወሉ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተወፋይነት ምልዕዓል ይሃሉ ሕብረተሰብ መሪሕኻ ናብ ዓወት ንምብፃሕ ኣይከኣልን። ብሓፈሻ ህወሓት ኢህወዴግ ብፍላይ ደማ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብመሰረታዊ ትሕዝትኡ ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሽኡ ንህዝቢ ኢትዮዽያ ክሳብ እቲ ላዕለዋይ ብርኪ እቶት ምዕባለ ዘብፅሕ መስመር ስትራተጂ ግን ደማ በቢ ግዚኡ ምስኩነታት ዝምዕብል ሰብ ዋና ፅሩይ መስመር ኮይንና ኢና። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ወሳኒ ናይ ቃልሲ መስመር ኣብ ኢድና ዝጨበጥና ሓይልታት ኢና።

ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ደማ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ድሕሪ ተሃድሶ በዚ መንገዲ ተጠናኺሮም ወፂኦም እዮም። ገሊኡ ሰብ ‘ህወሓት ተዳኺማ እያ’ ኢሉ ዝሓስብ፣ ዝጭነቕ፣ ዝገልፅ ኣሎ እዩ። እቲ ዝጭነቕ ፅቡቕ እዩ። ግን ከዓ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንምጥንኻር ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ክምዘን ዘለዎ ከም ሕብረተሰብ ንክልወጥ ከም ሓደ ደረጃ ኢኮኖሚ ለውጥን ኣነባብራን ክሰጋገር ዝገብሮ መስመር ዝወነነ ህዝቢ ምዃኑ፣ እዚ ህዝቢ እዚ፣ እዚ ውድብ እዚ ክሳብ እቲ ዝሓስቦ ዝበፅሕ ውሑስ መንገድን ጉዕዞን ክህልዎ ዝገብር ዓወት ዝወነነ ውድብ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህወሓት ከምዚ ዝበለ ሕብረተሰብ ዝልውጥ ንባዕሉ ዝልውጥ መስመር ዝወነነ መስተንክር ዓወት ዘመዝገበ ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ እውን ተመሳሳሊ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ፅሩይ መስመር ስለዝነበሮ እዩ።

እቲ መስመር መሰረት ገይሩ ስለዝተቓለሰ እዩ። ኩሉ ኣብቲ መሰመር ክዓስል ስለዝኸኣለ እዩ። ሕዚ እውን ንኹሉ ዘዕስል መስመር ጥቕሙ ከይጐድሎ ነቒሑ ክቃለስ ዝገብሮ ዘህርፍ መስመር፣ እቲ ተጠቃሚ መንእሰይ እታ ተጠቃሚት ጓል ኣንስተይቲ እቲ ተጠቃሚ ዝወየነ ምሁር ብሓፈሻ እቲ ገባርን ከተመታይን ብፅኑዕ ዲስፕሊን ዝዋደቕሉ እቲ ሓደ እንተተረፈ፣ እቲ ሓደ እንተወፀን እቲ ሓደ እንተኣተወን ብዘየገድስ እዞም ሓይልታት እዚአም ብፅኑዕ ድስፕሊን ዝዋደቕሉ መስመር ዝወነነ ውድብ፣ ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ሕዚ ድሕሪ 15 ዓመታት ኮይንና እንትንዛረብ እውን እቲ ሓደ ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘኹርዕ መሰረታዊ ዓወት እቲ ከምዚ ዝበለ መስመር ዝሓዘ ውድብን ህዝብን ምዃኑ እዩ።

ስለዚ ነዚ መስመር እዚ ኣብ ምፍፃምን ምትግባርን ፀገማት እንተሃለዉ እውን፣ ሓላፍ ዘላፍ እንተተፈጠሩ እውን፣ ድኽመታት እንተሃለዉ እውን ከምቲ ሎሚ ዝገበርናዮ ተሃድሶ ነቲ ዋና መስመርና ሒዝና ንሱ መርኣዪ፣ መተንተኒ እናገበርና ፀገማት እናፈታሕና በብእዋኑ ንሽግራት ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ እናረኣና ክንከይድ ዘኽእል መሰረታዊ ዕጥቂ ዝሓዝና ህዝብን ውድብን ስለዝኾንና ንቕድሚት ክንምርሽን ክንግስግስን ግድን እዩ። ስለዚ ኣብ ከይዲ እቲ ከምዚ ዝበለ መስመር ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ገጠር፣ ኣብ ከተማ ልምዓት፣ ዴሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅ ውድብን ህዝብን ሰሚርና ዝገበርናዮ ርብርብ ነቲ መስመር እናተግበሩ ተጠቃምነቶም ዘረጋግፁ ሓረስቶት፣ ኣብ ከተማታት ድማ ደቀቕትን ኣናእሽተይን፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ ውድብና በቲ ምንቅስቓስ ዝፈርዩ ዝነበሩ ብተነፃፃሪ ዝሓሹን ዝበለፁን በቲ ምንቅስቓስ ሞዴል እናኾኑ ዝወፁን ብምምልማል ህወሓት ብኣማኢት ኣሽሓት ኣባላት ሓቚፉ እዩ። ኣብ ምልመላ ኣብ ፅሬት ዘሎ ቀሊል ዘይበሃል ሓላፍ ዘላፍ ብዋናነት ድማ ጉድለት ህንፀት ከም ዘሎ ኾይኑ በዝሑ ጥራሕ ከይኮነ ቅድሚ ተሃድሶ ዝነበረ መሰረት ኣባል ውድብና ሙልጭ ዝበለ ድኻ ዝነበረሉ ኩነታት እውን ሕዚ ተቐይሩ እዩ። ድሕሪ ተሃድሶ በቲ ስትራተጅን መስመርን ናይ እቲ ዝህነፅ ዘሎ ስርዓት በዓል ዋና ኮይኑ ከንቀሳቕስ ዝኽእልን ብእጃሙ ተጠቃሚ ዝኾነን ሃፍታም ገባር ናይ ውድብና ናይ ኣባልና መሰረት ኮይኑ ኣሎ።

ብመሰረቱ ብሞዴልን ሞዴል ልምዓትን ሃፍታምን ካብቲ መስመር ብእኹል ደረጃ ተጠቃሚን ዝኾን ዘሎ ገባርን ናይ ከተማ ህዝብን ነቲ ዝበለፀ ሞዴል ብምሕቛፍ ህወሓት ኣብ ተነፃፃሪ ጠንካራ ማሕበራዊ መሰረት፣ ኣብ ጠንካራ መሪሕ ባእታታት ክምስረት ዝተሰርሐ ስራሕ እውን ብመሰረቱ ዕውት እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንውድብና ኣብ ምጥንኻር መዳዩ እውን ዓብዪ ዓወት ገይርካ ዝውሰድ እዩ። ሕዚ ድማ ህወሓት ከምቲ ልሙድ 15 ዓመታት ዝኸዶ ክያዶ ጠጠው ኢሉ ብናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ኩነታቱ ገምጊሙ ኣብ ኣፈፃፅማ ዝነበርዎ ጉድለታት ብዝርዝር ሪኡ ክሳብ ህዝቢ እውን ኣውሪዱ መሊሱ ህዝባዊ ባህሪኡን ተግባሩን ዝፃብኡ ጉድለታት ኣወጊዱ ብዝለዓለ ደረጃ ክመርሕ ክንቀሳቕስ ከምቲ ልማዱ ክምርሽ ሕዚ እውን ተዳልዩ ኣሎ።

ወይን፦ እቶም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ድሕሪ ተሃድሶ ዝተመዝገቡ መሰረታዊ ዓወታት ትርጉሞም እንታይ እዩ? ምንጮም ከ ካበይ እዩ መፂኡ?

ኣይተ ኣለም፦ እቶም ዓወታት ኣብ ሓደ ንለውጢ ዝግስግስ ዘሎ ሕብረተሰብ ትግራይ /ኢትዮዽያ ከም መበገሲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ መስተንክርን መስደመምን ዓወታት እዮም። ትንሳኤ ክልልናን ህዝብናን ዘበስሩ ዓወታት እውን እዮም። ጉዕዞ ምንቁልቋል ዓጊቶም መንጠሪ መሰረታዊ ዓወታት ዳግማይ ትንሳኤ እዮም። እዞም ዓወታት እዚኦም እቲ ባዕሉ ዝፈፀሞምን ዝተግበሮምን ተጠቃሚ ዝኾነን ህዝብና እውን ዝምስክሮም እዮም። ዋና ምስክር ንሱ ስለዝኾነ። ካብኡ ሓሊፉ ሕብረተሰብ ዓለም እንተኾነ እውን ዝመስከሮ እዩ። ብምዃኑ እውን እቶም ዓወታት ከም ህዝቢ ከም ውድብ እንኾርዐሎም እንሕበነሎም ድሙቓት ኣንፀባረቕቲ ዓወታትና እዮም። መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዘመዝገብናዮ መስተንክር ጀግንነትን ዓወታትን እዮም። ነዚኦም ዓወታት እዚኦም ከናእስ ዝፍትን ዝኾነ ይኹን ሓይሊ፣ እዚ ምዕባለ እዚ ክረጋገፅ ክቕፅል ዘይደሊ ዝተፈለየ ዕላማን ረብሓን ዘለዎ ዕሉል ሓይሊ ምድሕርሓር ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

እዚ መስተንክር ዓወታት እዚ ካበይ መፂኡን ምንጩ እንታይእዩ? ንዝብል ድማ፣ እዚ መስተንክር ዓወት ብተነፃፃሪ ናይ ብቑዕ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መሪሕ ውድብን ኣመራርሓን ውፅኢት እዩ። ናይ ውድብና ህወሓት ተነፃፃሪ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ጥንካረን ውፅኢት እዩ። ፈተናታትን ፀገማትን ብብቕዓት ናይ ምስጋር ልምድን ተኽእሎን ናይ ዘለዎ ውድብና ንኹነታት ናይ ምርዳእ ብሳይንሳዊ መንፅር ናይ ምፍታሕ ብቕዓት ዓቕሚ ናይ ዘለዎ ውድብና ህወሓት ውፅኢት እዩ። ብሳይንሳዊ መስመሩ ንፀገማቱ እናፈትሐ ዝመፀን ዝግስግስ ዘሎን ውድብና ህወሓት ዝመርሖ ጉዕዞ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እዩ።

ካልኣይ ነቲ ፅሩይ መስመር ነኺሱ ሒዙ ኣብ ዙርይኡ ብምዕሳል ብዝገርም መንገዲ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዓሲሉ ዘመዝገቦ መሰረታዊ ዓወታት ከምቲ ልማዱ ተወዲቡ ብዝገበሮ ሓያል ቃልሲ ዝመፀ ዓወታት እዩ። ቀንዲ ተዋሳኢ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ኣፍቲ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ ብመስተንክር ፅንዓት፣ ጀግንነትን ተዓዋትነትን መንፈስ ዘመዝገቦ ዓወት እንደገና ድሕሪ ተሃድሶ ደጊምዎ እዩ። እቲ ናይ ዕጥቃዊ ቓልሲ ልምዱ ተወዲቡ ናይ ምቅላስ ዓቕሙን ልምዱን ድሕሪ ተሃድሶ 1993 ዓ/ም እውን መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ መንፈስ ቓልሲ ብምፍጣር ዝተወደበ ቓልሲ ብምውላዕ ቖራፅነት ዝተመልኦ ቓልሲ ብምቕፃል እንደገና ቀፂልዎ እዩ። ስለዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ መስተንክራዊ ስርሒት፣ ፃዕርን ውፅኢትን እዮም እቶም ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮም ዓወታት።

ሕዚ እውን እንተኾነ ውድብና ህወሓት ድሕሪ 15 ዓመታት ዳግማይ ደው ኢሉ ከምቲ ልማዱ ክግስግስ ክሳብ ሕዚ ዘመዝገቦም ዓወታት ከምቲ ልማዱ ኣጀንዳ ቐሪፁ ብመልክዕ ምህዳስ ንመላእ ውድብ፣ መንግስትን መላእ ህዝቢ ትግራይን ዘባፀሐ ዕምቆት ዘለዎ ስራሕቲ ህዳስኡ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ። ሕዚ ውድብና ህወሓት ንህዝባዊ ኣረኣእይኡን ተግባሩን ዝፃብኡ ጉድለታት ኣወጊዱ ንህዝቡ ብዝለዓለ ንክመርሕ ካብ ባህሪኡ ተበጊሱ ኣብ መስመሩ ብፅንዓት ደው ኢሉ ክምርሽ ተዳልዩ ኣሎ። ህወሓት ከም ቀደሙ ሕዚ እውን ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።

ወይን፦ ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ከይዲ ቃልሲ ዝሓልኽዎ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ከም ውድብ ብምልላይ ፍታሕ ንምሃብ ናብ ዳግማይ ተሃድሶ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ። ነዚ መሰረት ገይሩ ብብርኪ ሃገር ኮነ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ መድረኽ ተሃድሶ ከይዱን ብርኪ ኣፈፃፅምኡን ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ኣለም፦ እዚ ምንቅስቓስ ተሃድሶ እዚ ሃገራዊ እዩ። እቲ ሃገራዊ ተሃድሶ ከመይ ኢሉ እዩ መፂኡ ዝብል መጀመርታ ብትኽክል ምቕማጡ ኣገዳሲ እዩ ዝመስለኒ። እቲ ተሃድሶ ኢህወዴግ ከም መጠን ሓደ ገስጋሲ ውድብ ኩልሻዕ ንውሽጡ በብግዚኡ ዝግምግም ዝርኢ ውድብ እዩ።

ህወሓት /ኢህወዴግ እቲ ሓደ መፍለዪ ባህሪኦም ውድብና ህወሓት እውን ከም ውድብ ክንሪኦ ከለና ንባዕሉ ብባዕሉ ናይ ምእራም መሰረታዊ ባህሪ ዘለዎ ውድብ እዩ። እንካብ ካልኦት ብዙሓት ውድባት ዝፈልዮ መሰረታውን ቑልፍን መለለይ ባህሪኡ ድማ እዚ እዩ። ስለዝኾነ ከም ህወሓት ይኹን ኢህወዴግ ንውሽጡን ኩነታቱን ብፍላይ ድማ ነቲ መድረኽ ዝምጥን ብቕዓት ንከጥሪ ነቲ መድረኽ ዝምጥን ኣረኣእያን ፅርየትን ክህልዎ ኩልሻዕ ንውሽጡ ዝግምግም ውድብ እዩ። ንባዕሉ እውን እናገምገመ በብእዋኑ ዝእርም ውድብ እዩ። በዚ ባህሪኡ መሰረት ህወሓት ቅድም ኢሉ እውን እንተኾነ ቅድሚ ክልተን ሰለስተን ዓመት ኣብ ውሽጡ ገምጋማት የካይድ ነይሩ እዩ። ተሃድሶ ዝካየድ ዘሎ ሎሚ ዓመት እዩ። ካብቶም ኣጠቓላሊ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ እናተበገሰ ፀገማት መበገሲ እናገበረ ኩነታት ውድብ፣ ኣመራርሓ ውድብ ብዓይኒ መስመር ብዓይኒ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኩነታት ናይ ገምጋም ምንቅስቓሳት እናገበረ መፂኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኩነታት እናረኣየን እቲ ናይ ውሽጢ ውድብ ዝነበረ ኩነታት እናመዘነን ነቲ ኩነታት ብዕምቆትን ብዝርዝርን ምርኣይ ከም ዘድልዮ ሓሳባት እውን እናልዐለ ፀኒሑ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ሕዚ ተሃድሶ ሓደ መሰረታዊ መበገሲኡ እንታይ እዩ? እንተይልና፣ እቲ ውድብ ካብ ባህሪኡ ዝብገስ ዝረኣዩ ጉድለታት ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምእራም እሞ ኣብ ቀፃልን ዘየቋርፅን ንባዕሉ መስርሕ ምግምጋም ዝጥቀም ውድብ ምዃኑ ተገይሩ ክርአ ኣለዎ። ከምዚ ገይሩ ህወሓት ኮነ ኢህወዴግ እናገምገመ እናሃለወ ግን ኣፍቲ ከይዲ ድማ በቶም ዝፍጠሩ ዝነበሩ ጉድለታትን በቶም ዝፍጠሩ ዝነበሩ ሕመቓትን ናይዚ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ እቶም ረብሓታቱ ዝፃብእዎ ዘለዉ ጉድለታት ክእረሙ ዝሓተሉ ምንቅስቓስ እናተፈጠረ መፂኡ እዩ። ኣብዚ እቲ ሕቶ ህዝቢ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ፣ እቲ ህዝቢ እውን እቶም ሕቶታት ክምለሰሉ ከምዝደሊ ኣብቲ ምንቅስቓስ ዘልዕሎም ሕቶታት ከዓ ተዘይተመሊሶም ሱቕ ኢሉ ከምዘይርኢ እቲ ሓፋሽ ናይ ባዕሉ ምንቅስቓሳት እናርኣየ ዝመፀሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።

ኣብዚ እቲ ንሓቀኛ ረብሕኡ ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን መሰረት ገይሩ ዝወፀን ዝተሰለፈን ህዝብን ነዚ ሕቶ ከም መበገሲ ተጠቒሞም ከምዕድል እውን ወሲዶም ስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ ከፍርሱ ነቲ ምንቅስቓስ ዝሰለቡ ፅግዕተኛ ሓይልታት ምድሕርሓርን ነንበይኖም ፈሊኻ ክረኣዩ ኣለዎም። እንተኾነ ግን እቲ ሓፋሽ፣ በቶም ከም ኢህወዴግን /ህወሓትን ዝተፈጠሩ ፀገማት ዝተጐድአ ረብሓታቱ ዝተቐነሰን ዘይተማለአሉን ሕብረተሰብ ካብ እዋን ናብ እዋን እቲ ፀቕጡን ሕቶኡን እናሐየለ መፂኡ እዩ። ስለዚ እቲ ካብ ህዝብና ዝተልዓለ ሕቶታት ምንቅስቓስን ነቲ ናይ ውድብና ከም ህወሓት ይኹን ከም ኢህወዴግ እቲ መስርሕ እውን ሓቢሩ እናገምገመ ዝመፆን ኣብ ሓደ ወቕቲ ክልቲኦም ተራኺቦም እዮም። ናይቲ ሓፋሽ ድፍኢትን እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝግበር ዝነበረ ገምጋማትን ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ ናይቲ ሓፋሽ ምንቅስቓስን ነቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝሕሰብ ዝነበረን ዝተጀመሩ ገምጋማትን ኣጐልቢቱ ክወፅእ ገይርዎ እዩ።

ስለዚ እቲ ብሃገር ደረጃ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ መበገሲኡ እንታይ እዩ? እንተተባሂሉ እቲ ውድብ ብባህሪኡ ውሽጡ እናገምገመን ውሽጡ ንክእርም ዘለዎ መሰረታዊ ባህሪን ድሌትን፣ ናይ ሓፋሽ ከዓ በቲ ውድብን መንግስትን ዝፍጠሩ ጉድለታት ከይዶም ከይዶም ረብሓታት ናይቲ ሓፋሽ ዝፃብኡ ስለዝነበሩ ጉድለታት ኣይሽከምን፣ ኣይቅበልን፣ ኣርም ኢሉ ዝፈጠሮ ፀቕጥን ዝዕንቶን ክልቲኦም ተደሚሮም ዝፈጠርዎ ተሃድሶ እዩ። ስለዚ እቲ ካብቲ ሓፋሽ ዝመፀ ድፍኢት ከም ኣገዳሲ ናይቲ ተሃድሶ ዓወት ተገይሩ እዩ ክውሰድ ዝግበኦ። ናይ 1993 ዓ/ም ምንቅስቓስ ተሃድሶ ሓደ መሰረታዊ ሸቶኡ እቲ መስመር ንሱ እናተፈፀመ፣ እናተዓወተን እናተተግበረን ክኸይድ እንተሎ እቲ ሕብረተሰብ ካብቲ መስመር ተጠቃሚ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ነቲ ዝረኽቦ ዘሎ ጥቕሚ ዝፃብኡ ጉድለታት ዋላ ንኡሽተያት እንተኾኑ ተቐቢሉን ተሸኪሙን ዝኸይድ ሕብረተሰብ ኣይኮነን እናተፈጠረ ዝኸይድ ዘሎ። ካልኣይ፣ ሓደ ነገር ምስ ሃብካዮ እቲ ቐፂሉ ካብኡ ዝመፅእ ተዘይመሊስካሉ ዘይድቅስ ሕብረተሰብ እናተፈጠረ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ሓታቲ ሕብረተሰብ ምፍጣር ሓደ ሸቶ ናይቲ ተሃድሶ መስመር እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኮነ ኣብቲ አህወዴግ /ህወሓት ከም ውድብ ኮነ ከም መንግስቲ ዝፈፀሞም ጉድለታት ‘ኣይቅበልን’ ኢሉ ረብሓታተይ ዝፃብኡ ጉድለታት እዮም ኣርም ኢሉ ናብ ኣደባባይ እውን ወፂኡ ተቓውሞኡ ከስምዕ ምኽኣሉ ውድቀት እንተይኮነስ ዓወት ናይቲ ተሃድሶ ተገይሩ እዩ ክውሰድ ዝግበኦ። ስለዚ ክልቲኦም እዚኦም መሰረት ተገይሩ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ኣበይ በፂሑ? እቲ ኩነታት እንታይ እዩ ዝመስል? ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ብመሰረቱ ብክልተ ገፅ (ምዕራፍ) መቒልና እንተረኣናዮ ይሓይሽ። እቲ ሓደ እቲ ብብርኪ ኢህወዴግ ኣርባዕቲአን ብሄራዊ ውድባት ብዘለወኦ ኩሉ እቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት እተን ውድባት ኣብ ዝተሳተፋሉ ካብኡ ሓሊፉ ከዓ ኣብተን ውድባት ነይሮም ብምትኽኻእ ዝወፁ ነባራት ኣመራርሓ ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሓባር ሰፊሕ መድረኽ ኣብ ኽረምቲ ተኻይዱ እዩ። እዚ ናይ ሓባር መድረኽ ከም ኢህወዴግ ኣብ ኽረምቲ ዝተኻየደ ሃናፅን መልክዕ ገምጋማዊ ነቐፌታ ዝነበሮን ተባሂሉ ክውሰድ ዝኽእል ሰፊሕ መድረኽ እዩ ተኻይዱ። እቲ መድረኽ ከም ኢህወዴግ ብጣዕሚ ግልፅነት፣ ነፃነት ዝተመልኦ ድፍረትን ተሳታፍነትን እውን ዝነበሮ መድረኽ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ ከም ኢህወዴግ ነቲ ዋና ምንቅስቓስ ምህዳስ መበገሲ ዝኸውን ብቑዕ ሰነድ እውን ተዳልይሉ እዩ። ነቲ ገምጋም ብምዕሟቕ ኣብ እንታይነት ናይቲ ፀገም፣ ትሕዝቶን መልክዓትን እቲ ፀገም ኣብ ፖለቲካዊ ትርጉምን ሳዕቤንን፣ ንስርዓት ወያናይ ዴሞክራሲ ዘለዎ ትርጉምን ሳዕቤንን ናይ መፍትሒ ኣንፈታቱን ሙሉእ ምርድዳእ ዝተገበረሉን ዕለታዊ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ሰነድ ኮይኑ ዝፀደቐሉን ኮይኑ ብደረጃ ኢህወዴግ ሰፊሕ መድረኽ ተሃድሶ ተኻይዱ እዩ። እዚ ምዕራፍ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ከም መበገሲ ብዓወት ዝተዛዘመ ነይሩ ንምባል ይከኣል እዩ።

እቲ ካልኣይ ኣገዳሲ ምዕራፍ፣ ነቶም ብኢህወዴግ ደረጃ ዝተቐመጡ መሰረታዊ ናይ ገምጋም መደምደምታታት ዝፀደቐ ሰነድ መበገሲ ብምግባር ብሄራዊ ውድባት እውን ናይ ባዕሎም መበገሲ ዶክመንት ኣዳልዮም፣ በብ ውድቡ ነንኸባቢኡ ነቶም ውድባት ንኹነታቶም ብዝገልፅ ናይ ተሃድሶ ሰነድ ብምድላው ናብ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ገምጋምን ምንቕቓፍ ኣትዮም እዮም። ኣብዚ ኣብ ኩሎም ኣሓት ውድባት ብብርኪ ስራሕ ፈፃሚ፣ ማእኸላይ ኮሚቴ፣ ናይ ክልቲኡ ስራሕ ፈፃሚ፣ ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ተጠሚሩ ገምጋማትን ምንቕቓፋት ኣካይዱ እዩ። ናይቲ መሪሕነት ገምጋማትን ምንቕቓፋትን ብምሓዝ ከዓ ናብ ጠቕላላ ላዕለዋይ ኣመራርሓ፣ ናብ ጠቕላላ ማእኸላይን ጀማርን ኣመራርሓ ናብ ጠቕላላ ታሕተዋይ ኣመራርሓ ከምኡ አውን ናብ ጠቕላላ ኣባል ውድብን እዚ መስርሕ ቀፂሉ እዩ። በዚ ድማ ሰፊሕ መድረኻት ተሃድሶ ኣካይደን እየን። ብመሰረት እዚ ኩለን ብሄራዊ ውድባት እቲ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ኣብ ሰፊሕ ርብርብ ይርከባ።

ህወሓት ድማ ናብ ህዝቢ እውን ኣብፂሑ ኣጠቓሊሉ ኣሎ። ብድምር ድማ ኣብቶም ኩሎም መድረኻት ተሃድሶ ኣብቶም ዝተነፀሩ መቀላለሲ ኣረኣእያታት ኣብ ኩሎም ብሄራዊ ውድባት ፅቡቕ ብዝበሃል ደረጃ ተገምጊሙ ተነቓቒፉ እዩ ኢልካ ክድምደም ዝኽእል እዩ። ሕድሕድ ብሄራዊ ውድብ ኣብ ገምጋሙ ዘነፀሮ ጉድለት ብሰፊሑ ሪኡ እዩ። ስለዝኾነ ከዓ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ዝተኻየደ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ደሚርካ ክትሪኦ ከለኻ ከም ኢህወዴግ ንቓልሲ ዝምቹ፣ ኣብ ቓልሲ ናብ ቀፃሊ ውዕይ ፀረ ድኽነት ግጥም ንምእታው ዘኽእል ዓብዪ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።

ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ፅርየት ክረጋገፅ ዕድል ዝፈጠረ፣ ሕድሕድ ውድብ እውን ፀገማቱ ከኣልን ህዝቢ ክመርሕን ክግስግስን ዘኽእሎ ምችውነት ዝፈጠረ ተሃድሶ ኣካይዱ እዩ ዝብል ገምጋም እዩ ዘሎ። እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ግን ምችውነት ናይ ምፍጣር ዓወት ኢና እንብል ዘለና እምበር እቲ ቓልሲ ሕዚ እውን ገና እዩ። እቲ ቓልሲ ኣብ ቅድሚት እዩ ዘሎ። ትምክሕቲ፣ ፀቢብነት፣ ፀረዴሞክራሲ፣ ግዕዝይና፣ ብልሽው ኣሰራርሓ… ብኣጠቓላሊ ቓልሲ ክራይ ኣካብነት ከይዲ እዩ፣ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ተሃድሶ ጀሚርናዮ እምበር ዝተወደአ ኣይኮነን። ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ቓልስን ኩነታትን ግን ንቐፃሊ ቓልሲ መበገሲ ዝኸውን ዓብዪ ዓወት ተመዝጊቡ ኣሎ ተባሂሉ ክድምደም ዝኽእል እዩ ዝመስለኒ።

ወይን፦ ውድብ ህወሓት ህልው ኩነታት ፖለቲካ ሃገርና መሰረት ብምግባር መድረኽ ተሃድሶ ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ተሃድሶ ፀቢብነት፣ ከባብያውነት፣ ክራይ ኣካብነት፣ ስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃምን ካልኦትን ሓደጋታት ብዕምቆት ከም ዝገምገመ ተገሊፁ እዩ። ብመሰረት እዚ ውፅኢት ገምጋም መድረኽ ዳግማይ ተሃድሶ ዝነፀሮም ሓደጋታት ነቶም ኣብ ጉዕዞ 15 ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ከመይ ተፈታቲንዎም ክንብል ንኽእል?

ኣይተ ኣለም፦ ጉዕዞ 15 ዓመታት ክንርኢ እንተለና ዓወታት ጥራሕ ዝተመዝገበሎም ዓመታት እዮም ነይሮም ማለት ኣይኮነን። ምስቶም እናተመዝገቡ ዝመፁ ዓወታት ብበግዚኡ እናማዕበሉ እናተጠናኸሩ ዝመፁ ጉድለታትን ድኽመታትን እውን ነይሮም እዮም። እቶም ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተርኣዩ ሕመቓት ጐድኒ ንጐድኒ ምስቲ ዓወታት ሓቢሮም ዝመፁ ጉድለታት እዮም። ስለዚ እቲ ሕዚ እንሪኦ ዘለና መድረኽ ብሓደ ገፅ ዓበይቲ መስተንክር ዝኾኑ ዓወታት ዝተመዝገበሎም፣ ብኻልእ ገፅ ከዓ ነቶም ዓወታት ዝሽርሽሩ ምናልባት እውን እንተዘይተቓሊስናዮም ንድሕሪት ክመልሱና ዝኽእሉ ሕመቓትን ፀገማትን ዝተርኣየሉ መድረኽ እዩ ተባሂሉ ክውሰድ ይከኣል።

እቶም ፀገማትን ሕመቓትን ነቶም ጉዕዞ ዓወታትና ዝፈጥርዎ ሳዕቤንን ሽግርን እንታይ እዩ? ዝብል ንምርኣይ ንፈትን። ሓደ ካብቲ ዝፈጠርዎ ፀገም ኢልና ከም ሳዕቤን ኢልና ክነቐምጦ እንኽእል እቶም ዓወታት ካብቲ ሕዚ ዘለዉዎ ብላዕሊ ክምዝገቡ ይኽእሉ ነይሮም። እቶም ሕመቓትን ሽግራትን ኣብ ውሽጢ ውድብን መንግስትን ቦታ እናሓዙ፣ እናተስፋሕፍሑን እናተጠናኸሩን እንተዘይመፁ ነይሮም እቶም ዝገለፅናዮም መሰረታዊ ዓወታት ካብኡ ንላዕሊ ክስጉሙን ክሰፍሑን ምኸኣሉ ነይሮም። ከምቲ ክኾኖን ክኽየዶን ዝግባእ ኣይከደን ክንብል እንተለና ዘይሩ ዘይሩ ናይ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን “ትራንስፎርሜሽንን” ኣፈፃፅማ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ‘ትራንስፎርሜሽንን’ ኣብቲ ዕብየት ዝኸድናዮ ርሕቐት ኣሎ፣ ኣብቲ “ትራንስፎርሜሽን” መዳዩ ግና በቲ ዝድለ ኣይከድናን። ሓደ ዓብዪ ፅዕንትኡ ናይ ውሽጥና ሕመቕ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ህንፀት፣ መሃዛይነት፣ ስራሕን ተጠቃምነትን መናእሰይ በቲ ዝድለ ኣይከድናን። ካሊእ እውን ብዙሕ ኣብነታት ኣልዒልካ ምግላፅ ይከኣል እዩ። ስለዚ ንዓና ሕቶ ቅልጡፍ ልምዓት ናይ ሞትን ሕውየትን እዩ። ኣብ ውሽጥና ዝፍጠር ህልቂት ምብልላዕ ከይመፅእ ምርግጋፅ ስሉጥ ልምዓት ቁልፊ ዛዕባን ብጣዕሚ መሰረታዊን እዩ። እቶም ሕመቓት ድማ ነቲ ቕልጡፍ ልምዓት ኣብ ምዕጋት ትርጉም ዝነበሮም ሕመቓት እዮም።

ቕልጡፍ ልምዓት ብዝለዓለ ደረጃ ከይኸይድ ኣብ ምዕጋት ብፅሒት ዝነበሮም ሕመቓት እዮም። ንሕና ቅልጡፍ ልምዓት ነምፅእ ክንብል እንከለና ንዘረብኡ ኣይኮነን። እቲ ዝማዕበለ ናይ ምዕራብ ዓለም ህዝቢ ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ ምዕባለ ንክበፅሕ ካብ 150 ክሳብ 200 ዓመታት እዩ ወሲድሉ። ይኹን እምበር በቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ጊዜ ልምዓት ኣይኮናን እንኸይድ ዘለና። ከምኡ ነዊሕ ዓመት ዘፅንሕን ዝጉዓዝን ዕድል እውን የብልናን። ከምኡ ዓይነት ነዊሕ ጉዕዞ ክብትነና እንተዘይኮይኑ ኣየድሕነናን። ስለዚ ንሕና መድሕንና ቕልጡፍ ልምዓት እዩ። ቅልጡፍ ልምዓት ከዓ ነዚ ልምዓት እዚ ዘረጋገፃ ሃገራት “ብሞዴልነት” እንገልፀን በዓል ኮርያ፣ ታይዋን፣ ቻይና መበገሲ ገይርካ ዝርአ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ኣርባዓን ሓምሳን ዓመታት ውሽጢ ዝረጋገፅ ቕልጡፍ ልምዓት ንምምፃእ ኢና ንሕና ንሰርሕ ዘለና። ከምዚኣ ዓይነት ቅልጥፍቲ ልምዓት ክነረጋግፅ ድማ መጠን ልምዓትና ምንም ገደብ የብሉን። ዓቕሚ ምፍፃምና ዝኻኣሎ ዘበለ ኩሉ ክስራሕ እዩ እቲ ዝድለ። ስለዚ ንሕና እቶም መሰረታዊ ዓወታት እንብሎም ዘለና ብደንቢ ክተሓዙ፣ ክግለፁ፣ ክስተማቐሩ ስለዘለዎም እምበር እቶም ዓወታት ብመንፅር ኣብቲ ሓፂር ግዜ ክንበፅሖ እንደልዮ ዘለና ጉዕዞ እንተርኢናዮ ዘዕግቡና ዓወታት ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ልዕሊኡ እናኸድና ኣርበዓን ሓምሳን ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ግዘ እዚ ህዝቢ እዚ ናብቶም ዝማዕበሉ ላዕለዋይ ብርኪ እቶት ዝበፅሑ ውሑዳት ህዝብታት ዓለም ምእታው ስለዝኾነ እቲ ጉዕዞናን እምነትናን ብኸምኡ ዝበለ ሓያል መስተንክር ናይልምዓት ቅልጣፈን ጉዕዞን እናደገፍካ ምኻድ እዩ።

ስለዚ መስተንክር ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና። ኮይኑ ግና እዚኦም ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ ኣርባዓን ሓምሳን ዓመታት ክንበፅሖ እንሓስቦ ክትሪኢ ከለኻ ድማ ንዓና ዘዕሽውና ኣይኮኑን። ከም ውድብ ኮነ ከም ህዝቢ በዚኦም እንዓግብን እንፀግብን ኣይኮናን። ስለዚ እቶም ጉድለታት ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ልምዓት ኣብ ሓፂር እዋን ክረጋገፅ እቲ ዝለዓለ ናህሩ እናዓቀበ ከይኸይድ ዝገብሩ ሕመቓት ምዃኖም ኢና ርኢና። ስለዝኾነ ኣብ ቕልጡፍን ተኣምራውን ዕብየትና ዕንቅፋታት ዝኾኑ ክንግምግሞ እንተለና እውን፣ እቶም ሕመቓት ንሽሞም እንተይኮነ ንፅውዖም ዘለና። ጭቡጥ ሳዕቤንን ዕንቅፋትን ፈጢሮም ቅልጡፍ ልምዓት ጉዕዞና ኣብ ምቅልጣፍ ዓብዪ ተራ ዘለዎም፣ ናይ ምምራሕ ብቕዓትና ዘምክኑ ነቲ መስመር ናይ ምፍፃም ተኽእሎና ዝሽርሽሩ፣ ብዋናነት ናይ ኣመራርሓ፣ ናይ ምፍፃም ዓቕምና ዝተፈታተኑ ሽግራትን ሕመቓትን እዮም ኢልና ኢና ርኢናዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ጉዕዞ ልምዓትና ጉዕዞ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርና፣ ዴሞክራሲና በቲ ክኾኑዎ ዝግባእ ከይስጉም፣ ከይቕፅል ዕንቅፋት ዝኾኑ ጭቡጣት ሕመቓት እዮም ኢልና ኢና ወሲድናዮም።

እቲ ካሊእ ዓብዪ ፈተና እቶም ዝገለፅናዮም ዓወታት ንዳግማይ ትንሳኤና መሰረታዊ ዓወታት እዮም። ኮይኑ ግን እቶም መስተንክርን መስደመምን ዓወታት ኣብ ጅማሮ ዘለዉ ዓወታት እዮም። እዞም ዓወታት እዚኦም ተዋህሊሎም በቲ ህዝብታት ክበፅሕዎ ዝኽእሉ ብርኪ ምዕባለ ናይ መጀመሪያ ታሕተዋይ፣ ማእኸላይ፣ ብርኪ እቶት፣ ላዕለዋይ ማእኸላይ ብርኪ እቶት፣ ሳልሳይ ድማ ላዕለዋይ ብርኪ እቶት ኣብ ዝበሃሉ ብርክታት ከይዲ ምዕባለ ኣእቲኻ ክትሪኦም ከለኻ እዞም ዓወታት እዚኦም ተኣኪቦም ገና ናብ ታሕተዋይ ማእኸላይ ብርኪ እቶት ከም ህዝቢ ኮነ ከም ዓዲ ኣይኣተውናን። ነዚ ዓወት እዚ እውን ኣየረጋገፅናን፣ እዚ ገና ኣብ 2017 ዓ/ም ኢና ክነረጋግፆ። ስለዚ ኩሎም ዓወታት ተደማሚሮም ገና ናብዚ ብርኪ ኣይተሰጋገርናን ዘለና።

ስለዝኾነ ነቲ ሕዚ ቀልጢፍካ ናብ ታሕተዋይ ማእኸላይ እቶት ናይ ዝግበር ርብርብ እሞ ብግዜ ዝተሓፀረ ብግዜ ሰሌዳ ዝተሸንሸነ ኽንበፅሖ ኢልና ኣሚትና እንኸዶ ዘለና፤ እቶም ሕመቓት እዚ ኸምዚ ዝበለ ጉዕዞ ብቕልጡፍ ከይዱ ናብዚ ዓወት እዚ ንከይንበፅሕ ኣብ ምግባር ተራ ዘለዎ ሕመቕ እዩ። እቶም ኣብ ጅማሮ ዘለዉ ዓወታት ቀልጢፎም ተዋህሊሎም ናብ ሓደ ብርኪ ለውጢ ንከይንሰጋገር ዝሓልኩና ሕመቓት እዮም። ምናልባት እቶም ሕመቓት ብዝግባእ እንተዘይተቓሊስናዮም ናይ ደውታን ድሕሪት ናይ ምምላስ ፈተናታትን እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ጅማሮ ዘለው ኣብ ሓደ ጥንኩር መሰረት ዘለዉ ዘይተሰጋገሩ ዓወታት ብጋንኡ ናይ ምቕንፃል፣ ናይ ምኹላፍ ብኻሊእ ኣገላልፃ እቶም ዓወታት ንቕድሚት ናይ ምቕፃል ናህሪኦም ብምዕጋት ነቲ ጉዕዞ ብምሕንኳል ጠለብ ህዝብን ጕዕዞ ልምዓትን ከይመጣጠን ብምግባር ኣብቲ ህዝቢ ናይ ተስፋ ምቑራፅ ኣረኣእያታት ብምፍጣር ናብ ዕግርግርን ህውከትን ከምርሑ ዝኽእሉ ሽግራት እዮም። እዚ ክልሰ ሓሳብ ኣይኮነን፤ ብተግባር እቲ ቅልጡፍ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ምርግጋፅን በቲ ንሱ ዝደልዮ ዘሎ ደረጃ ዘይቕፅል ዘሎ ምዃኑ እቲ ሓፋሽ ሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ዝተርኣየ ተቓውሞን ህውከትን ምልክት ናይዚ እዩ። በታ ንሱ ዝደልያ መጠን ጠለብ ልምዓት ክተቕርብ እንተዘይክኢልካ ብተግባር ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ ይኹን ኣፍቲ ሓደ ረብሓን ኣሰላልፋን ዘለዎም ህዝብታት ብትምክሕትን ፀቢብነትን ነንባዕሎም ምውቓዕ ጀሚሮም እዮም። ብዘይ ናሃቶም ኣረኣእያታት ብናይ ፅግዕተኛ ናይ ምድሕርሓር ኣረኣእያታት ተጨውዮም ህዝብታት ነንባዕሎም ክቃተሉ ፈቲኖም እዮም። ስለዚ ህዝብታት ነንባዕሎም ክባልዑ ዘግብር ሕመቕ እዩ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ። ብምኽንያት እዚ ከዓ ሓደ ረብሓን ኣሰላልፋን ዘለዎም ህዝብታት ነንባዕሎም ክቃተሉ ክዋቑዑ ድሕሪኡ ድማ ሃገር ክትበታተን ዘግብር ምልክት ኢና ርኢና። ስለዚ እቲ ዝገምገምናዮ ሕመቕ ክንድዚ ዝኣክል መሰረታዊ ትርጉም ዘለዎ ሽግር ዝፈጥር ሕመቕን ፀገምን ከም ዝኾነ ኢና ንውሽጥና ክንርኢ ፈቲንና። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፣ እቶም ሕመቓትና ነቶም ዓወታትና ዘለዎም ትርጉም ካብዚ ንላዕሊ እዩ። እቶም ፀገማትን ሕመቓትን ኣብ ግዚኡ እንተዘይተቓሊስናዮም እቲ ዓወትን ሕመቕን ክልቲኡ ብሓደ ኣይኸይድን። ወይ እቲ ዓወት ደልዲሉ ወፂኡ እቶም ሕመቓት እናተቐበሩ ትርጉም ናብ ዘይብሎም ብርኪ እናወረዱ እቲ ዓወት እናዓብለለ ክኸይድ ኣለዎ። ወይ ከዓ እቲ ዓወት ዓብላሊ ምዃኑ እናቐረየ እቲ ናይ ውሽጢ ሕመቕ ዓብላሊ እናኾነ ቦታ እናሓዘ ዝመፀሉ ኩነታት እዩ ክፍጠር። እቲ ሕመቕ እናዓብለለ እንድሕር ከይዱ ድማ እቶም ዓወታት እናተሸርሸሩ ኣብቲ ንኡስ መድረኽ ክነረጋግፆ ዝግበአና ምስባር ዓንኬል ድኽነት ናፍታ ታሕተዋይ ናይ መጀመርያ ማእኸላይ እቶት ዝበልናያ ንከይንበፅሕ ማሕንቖ ኮይኑ እዩ ክሕዘና። ስለዚ ብጊዚኡ ነቶም ፀገማት እንተዘይተቓሊስናዮም ኣብ ናይ ድኽነት ዓንኬል ሸንኮለል እናበልና ክንነብር እዮም ዝገብሩና።

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ከማና ዓሚዩቕ ድኽነት ዝነበሮም መንግስታትን ህዝብታትን ብቓልሶም ብሓያል ፃዕሮም ዓወት ኣብ ርእሲ ዓወት እናመዝገቡ ካብ ማሕንቖ ድኽነት ጥራሕ ከይኮነስ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዝበፅሑ ዓድታት/ህዝብታት ኣለዉ። እቶም ኩሉሻዕ እንጠቕሶም ኮርያ፣ ታይዋን ሕዚ እውን ቻይና ኣላ። እንተኾነ ግን እቶም ሃገራት ናብ ልምዓት ኣብ ዝግስግስሉ እዋን ማሳ ንማሳ እቶም ሃገራት ተመሳሳሊ ስራሕን ስጉምን ዝጀመሩ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ከባቢ 1950ታት ካብ ድኽነት ክወፁ ፃዕሪ ዝጀመሩ መንግስታትን ህዝብታትን ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግን ኣብ ከይዲ እቶም መንግስታትን ውድባትን ኣብቲ ሕዚ እንገልፆ ዘለና መሰረታዊ ሕመቓት ተዘፊቖም ምስኣተዉ ምውፃእ ኣብይዎም ኣብናይ ድኽነት ዕንክሊል ኣትዮም ኣብ ጥቓ ምብትታንን ዘይምርግጋዕን ዝበፅሑ ህዝብታት ዓለምን ኣፍሪካን ብዙሓት እዮም። ስለዚ ናብ ኩነታት ሃገርና መፂእና ክንርኢ እንተለና እቲ ጅማሮ ዝረኣናዮ ተመሳሳሊ እዩ። ከምዚ ዝበለ ዕግርግርን ህውከትን ምፍጣር ናይ ድኽነት ቓልሲ ዕንክሊል እናበለ ጊዜ ክወስድ ንሕና ድማ ካብዚ ቐልጢፍና እንተዘይወፂእና ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕመቕ ተዘፊቕና ምውፃእ ኣብዩና ክንነብር ዝገብረና እዩ።

ስለዚ እዞም ሕመቓት እዚኦም ዓቕሚ ዘለዎ ሓደጋ ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኩነታት ሃገርና ድማ እታ ናይ ድኽነት ማሕንቖ በጢስና እንተዘይወፂእና ምስ ድኽነት ተሳኒና ክንነብር ኣይንኽእልን። ምስ ድኽነት ተሳኒኻ ዝንበረሉ ታሪኽ ኣብቂዑ እዩ። ስለዚ እታ እተስዕባ ሓደጋ ህልቂትን ምብትታንን እያ። ኣብ ከማና ዝኣመሰለ ብዙሕነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣረኣእያታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ብሰፊሑ ዝረኣየሉን ብዘርኢ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጭፍጫፍ ዕድል ዘለዎን ሕብረተሰብ ሓያል ድኽነትን ዝጠመየ ህዝብን ሒዝካ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ እናላዓዐለ እናዓመፀ ኣደዳ ህልቂት ምብትታንን እዩ ክፍጠር። ስለዚ ንዓና እንኮ መማረፂት ካብታ ናይ ድኽነት ማሕንቕ፣ ካብቶም ሕመቓት በጣጢስካ ምውፃእ እያ። ምስቶም ሕመቓት ሓቢርካ ምንባር ኣይከኣልን። እዚኦም ትርጉም ናብ ዘይብሎም እንተዘይወሪዶም ከም ህወሓት ይኹን ከም ኢህወዴግ እዚኣ ሓደጋ እዛ እናንፀላለወት ፀኒሓ መጨረሽኡ ናብ ህልቂትን ምብትታንን እያ እትውሰድ። ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንተተፈጢሩ ከዓ ነዚ ትውልዲ ካብዚ ዝኸፍአ ንላዕሊ ውርደት ኣይህልዎን፤ እዚ ዝኸፍአ ውርደት እዚ ዝመፅእ ድማ ክሰርሕን ክፍፅምን አንተዘይክኢሉ እዩ። ስለዚ ብዓብዪ መንፈሳዊ ሓላፍነት ነቶም ሕመቓት ክነወግድ ክንክእል ኣለና። ከም ውድብ እውን እንተዘይኣሊናዮም ሳዕቤኑ ጥፍኣት እዩ ዝብል መበገሲ ገይርና ሪእናዮ ኢና።

ወይን፦ ብመሰረት ገምጋም ተሃድሶ ህወሓት ሓደጋታት እዮም ኢሉ ዘነፀሮም ከም ፀቢብነት፣ ከባብያውነት፣ ክራይ ኣካብነት፣ ስልጣንካ ብዘይኣግባብ ምጥቃምን ካልኦትን ብዕምቆት ተራእዮም ተገምጊሞም ኣለዉ። ብመንፅር እዚ ብፍላይ እቲ ላዕለዋይን ማእኸላይን ኣመራርሓ ይኹን እቲ ኣባል በቲ ክሳብ ሕዚ ዝተኻየደ ተሃድሶ ካብቲ ዝተገለፀ ሓደጋ ወፂኡ እዩ ክንብል ዶ ንኽእል?

ኣይተ ኣለም፦ እቶም ሽግራት ሓደ ብሓደ ሪእናዮም ኣለና። ሕድሕዶም ባህሪኦምን መንቀሊኦምን ተንቲንና ገምጊምናዮም ኣለና። ተነቓቒፍናሎም ኣለና። መሰታዊ ትርጉሞም ሪእናዮም ኣለና። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ከም ህወሓት ተራ ኣባሉን ኣመራርሕኡን በዚ መስርሕ ክሓልፍ ተገይሩ፣ እቶም ኣዐርዮም ዝበዝሑ ሕመቓት ከጥፍኡና እዮም ኢሉ ኮኒኑዎም ኣሎ። ካብቶም ፀገማት ክወፅእ ኣለኒ ኢሉ ንነብሱ ነቒፉ ኣሎ። ስለዚ ኣብዚ ክንብሎ እንደሊ ነገር ኣብቶም ሕመቓት ዘየቋርፅ ወያናይ ቃልሲ ንምግባር ዘኽእል ምችው ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ዝገበርናዮ መድረኻት ተሃድሶ መዳለዊ እዩ። ናይ ተሃድሶ ናይ ምድላው ምዕራፍ ኢና ኣጠቓሊልና። ስለዚ ብመንፅር ምድላው ምዕራፍ ተሃድሶ ክትሪኢ እንተለኻ ዕውት ስራሕ እዩ። ነቶም ሽግራት ኮኒንዎም ኣሎ፣ ከጥፍእዎ ከም ዝኽእሉ ተገንዚቡዎም ኣሎ። ክቃለሶምን ካብዚኦም ክወፅእን ከም ዝግበኦ ደምዲሙ ኣሎ። ወሲኑ ኣሎ። እዚ ማለት ግን ኣብ መድረኽ ብዝተገበረ ምንቕቓፍን ምግምጋምን ጥራሕ ካብቶም ሽግራት ጠቕሊሉ ወፂኡ እዩ ኢልካ ክትድምድም ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ፀገማት ክቃለሶምን ከወግዶምን ከምዝግባእ ተረዲኡ ኣሎ። ንቐፃሊ ሰፊሕ ቓልሲ ይሓትት።

ስለዚ ነቶም ሽግራት እናተቓለስና ብዋናነት ልምዓት ክነምፅእ ኣለና፣ ጥዑይ ምምሕዳር ክነረጋግፅ ኣለና። ሕዚ እቶም ጉድለታት ዕንቅፋታት ኮይኖምና እዮም። በዚኦም ስለዝተሸመምና ንህዝብና ዝግባእ ግልጋሎት ኣይሃብናን ኢልና ዓርሰ ነቐፌታ ገይርና ኣለና። ፅባሕ ነቲ ህዝቢ ክነገልግል ናብኡ ክነኣቱ ኢና። እቶም ሕመቓት ምስ ነፍሰ ወከፍ ተግባራት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራስን እናተወሃሃዱ ዘይቋረፅ ቃልሲ እናተገበረሎም እዮም ክኸዱን ክውገዱን። ስለዚ እውን እዩ ህወሓት ካብ ናይ ተሃድሶ ናይ ምድላው ምዕራፍ ናብ ዘየቋርፅ ናይ ተሃድሶ ተግባር ምዕራፍ ይሰግር ኣሎ እንብሎ ዘለና። ካብ ሐዚ ንደሓር እቲ ዝዓበየ ቓልሲ፣ እቲ ዝቕፅልን ዝጥንክርን ቃልሲ ኣብ ቅድሚት እዩ ዝኒሀ። ስለዚ ብሓደ ገፅ ክንቃለስ ዘግብረና ምችው ኩነታት ፈጢርና ኣለና፣ ብኻልእ ገፅ ከዓ ነቲ ሓፋሽ ልምዓት ንኽነምፅእ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራሲን ንኽነረጋግፅ ኣብ እንገብሮ ርብርብ ኢና ክንፍተን። እዚ ዝሓሸ ዝኸደ መሪሕነት፣ ኣባልን ስቪል ሰርቫንትን ንስኻ ፅቡቕ ከይድኻ እናተብሃለ እቲ ዘይከደ ኣይከድካን እናተብሃለ ኣብ ዘየቋርፅ ቀፃሊ ህንፀት፣ ምግምጋምን ምንቕቓፍን መስርሕ ኣቲና እናበቓዕና፣ ንህዝቢ ናይ ምግልጋል ኣጠቓላሊ ኣረኣእያና እናጠንከረ፣ ነቶም ሕመቓት እውን ክነወግዶም ንኽእል ማለት እዩ።

ወይን፦ እዚ መድረኽ ተሃድሶ ብፍላይ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝተኻየደ ገምጋም መሰረት ገይርካ እንትርአ “ከምቲ ኣብ 1993 ዓ/ም ዝነበረ ምስ ውልቀ ኣመራርሓ ዘይተጣበቐ፣ ፖለቲካውን ሕጋውን ተሓታትነት ዘየመላኽት እዩ” ዝብሉ ርኢቶታት ምስ ምህላዎም እቲ ውድብ ብዕምቆት ንባዕሉ ከመይ እዩ ፈቲሹ? እዞም ጥርጣረታት ከ ካብ ምንታይ ኩርናዕ ዝነቕሉ እዮም ክበሃሉ ይኽእሉ? ከም ውድብ ከመይ ይምዘኑ?

ኣይተ ኣለም፦ መጀመርያ ናይ 1993 ዓ/ም ናይ ውድብና ምንቅስቓስ ተሃድሶ መሰረታዊ ትሕዝትኡን ባህሪኡን ምፅራይ መስመር እዩ ነይሩ። ምፅራይ መስመር ክንብል ከለና መስመራት ወያናይ ዴሞክራሲ ጐልቢቶም ንክወፁ ኣብኡ ዝነበሩ ደንገርገራትን ድርዕቶ ኣረኣእያታትን ንምውጋድ፣ ፅግዕተኛ ምብስባስ ብሓደ ገፅ ኮይኑ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ዝሓዝዎ መርገፂ ሓያል ግጥም ዝተርኣየሉን መስመር ወያናይ ዴሞክራሲ ኣብ ርእሲ እቲ ወኪል ፅግዕተኝነት ምብስባስ ስዒሩ ብዓወት መሰስ ዝበለሉን ተሃድሶ እዩ ኢልና ኢና ንብገስ። ብመሰረት እቲ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ፊት ንፊት ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ዝተገበረ ግጥም ወያናይ ዴሞክራሲ ብዓወት ዝወፀሉ እቲ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓይሊ ድማ ዝተኣለየሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓይሊ ከም ጉጅለ ይኹን ከም ውልቀ ሰብ መምስ ውልቀ ኣመራርሓ ተጣቢቑ ፖለቲካሊ ክሕተት ዝግበኦ እውን ወኪል ናይቲ ፅግዕተኛ ምብስባስ ካብ ውድብ ተሳዒሩ ተሰናቢቱ እዩ። ስለዚ ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ እቲ ዝዓበየ ተሓታትነት ካብዚ ንላዕሊ የለን። ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ እቲ ዝዓበየ ተሓታትነት ኣብ ውሽጢ ውድብ ንፅግዕተኛ ወኪልካ ብውልቅኻን ብጉጅለን ተሓቲትካ ክትሰናበት ካብ ምኽኣል ንላዕሊ ዝዓበየ ተሓታትነት እንታይ ክህሉ ይኽእል። ካልኣይ ናይ 1993 ዓ/ም ካብቲ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ብተወሳኺ ተነፃፃሪ ብቑዕ መረዳእታ ዝተረኸበሉ ብሕግን ምምሕዳራዊ መዳዩን እንተርኢኻዮ ክሕተት ዝግበኦ ተሓቲቱ እዩ።

ድሕሪ 15 ዓመታት እነካይዶ ዘለና ተሃድሶ ኸ? ተሃድሶ ክንብል እንተለና ብመሰረቱ ውድብ ብመልክዕ ተሃድሶ ኣጀንዳ ቀሪፁ ዝውለዖ ምንቅስቓስ ከም መስርሕ እውን ኣሎ። ደው ኢልካ ኣጀንዳ ቀሪፅካ እተካይዶ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ተሃድሶ እውን ኣሎ። ሕዚ ዝገበርናዮ ንዝተወሰነ እዋን እውን እንተኾነ ደው ኢልና ውሽጥና ክንግምግም ምንቅስቓስ ተሃድሶ ክካየድ ዝገበርናሉ ኩነታት እዩ። እቲ ናይ ሎሚ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ምፅራይ መስመር ኣይኮነን፤ ዝፀረየ መስመር ኣለና። ምንፃር ራኢ እውን ኣይኮነን፤ ዝተነፀረ ራኢይ ኣለና። እቲ ናይ ሎሚ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ነቲ ዝተነፀረ መስመር ምንፃር ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ተግባር ተፈቲኑ እውን መስተንክር ዓወታት ዘመዝግብ ዘሎ መስመርን ዝተነፀረ ራእይን ኣብ ምፍፃም ካብቲ ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ኣረኣእያ ወፃኢ ዝፍጠሩ ዘለዉ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝንባለታትን ኣረኣእያታትን ናይ ምቅላስ ተልእኾ ዝሓዘ ተሃድሶ እዩ። ነቲ ዝተነፀረ መስመርን ነቲ ብተግባር እውን ተፈፂሙ ለውጢ ዘምፅእ ዘሎ መስመርን ራእይን በቲ ዝለዓለ ደረጃ ንከይፍፀም ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘይወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ምቅላስ እዩ ማእኸሉ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ተሃድሶ ኣብ ሓደ እዋን ደው ኢልካ ክተካይድ እንተለኻ ከምዚ ዝበለ ዘይወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያ ነቲ መስመር ዝፃብኡ ኣረኣእያታት ሽግራት ኣብ ብዝሕ ዝበለ ኣባል ናይቲ ውድብ ክረኣይ ከሎ፣ እቲ ውድብ በቲ ዝነፀሮ መስመርን ራእይን ንዑኡ ዝፃብኡ ብርክት ዝበሉ ዘይፀረዩ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ክፍጠር እንተሎ እዩ ተሃድሶ ዝውላዕ።

እዚ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ተሃድሶ ብመሰረቱ ባህሪኡ ፖለቲካዊ ምቅስቓስ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቑልፊ ፀገም ናይ ኣረኣእያ ዘይምፅራይ ስለዝኾነ። ካብኡ እቲ ዘይፀረየ ኣረኣእያ ዝወልዶም ዝተፈላለዩ ተግባራዊ ሕመቓት ምስኡ ስዒቦም ዝመፁ ሽግራት እዮም መንቀሊ ናይቲ ፀገም። ከምዚ ኣብ ዝበለ እዋን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ናይቲ ውድብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይፀረየ ኣረኣእያ ክኣትው ከለዉ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ዝኸውን እቲ ኣዐርዩ ዝበዝሕ ኣባል ካብቶም ዘይፅሩያት ጉጉያት ኣረኣእያታት ምድሓን፣ ምውፃእ፣ ናብ ሓደ ግንባር ክመፅእ ክጥመር ንዕኡ ምእካብ እዩ እቲ መሰረታዊ ስራሕ። ብኡ ምኽንያት እውን እዩ መሰረታዊ ናይ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ናይ ኣረኣእያ ምፅራይን ምብቃዕን ተሃድሶ ተባሂሉ ተሰይሙ። እቲ ቀንዲ ነገር ነቲ ዘይፀረየ ኣረኣእያ ዳግም ብምምላስ ኣቢልካ “ሪኦሬንት” ብምግባር ነቲ ዝበዝሕ ኣባል ምትእኽኻብ ‘ዩ ዋና ዕላምኡ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እቲ ተሓታትነትን ናብ ሰብ ምጥባቕን ዝበሃል ሕድሕድ ሰብ ካብ ባዕሉን ብብፆቱን ዝንቀፈሉን ተጋግየ እየ ነይረ ኢሉ ጉድለቱ ዘልዕለሉን፣ ብእጃሙ ዝፈጠራ ጉድለት በብውልቁ ተሓታቲ ዝገብረሉ ኣገባብ ቃልሲ ‘ዩ ተፈፂሙ። እቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ መሰረታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ሕመቕ ኣብ ሕድሕድና እዩ ነይሩ። እንትንእከብ ናይቲ ውድብ መሰረታዊ ዓበይቲ ሽግራት ይኸውን፣ እቲ ሽግር ከዓ በቢ ውልቅና ኢና ወሲድናዮ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ተገምጊሙ፣ ተነቒፉ እዩ። እዚ ማለት ሕድሕድ ሰብ ብመስርሕ ተሓታታይነት ሓሊፉ ኣሎ ማለት እዩ። ተሓታትነት ማለት ሰብ ምእሳር ማለት ኣይኮነን፣ ሰብ ናብ ቤት ህንፀት ምእታው ማለት ኣይኮነን።

ንሱ ኣገዳስን ሓደ ናይ መወዳእታ መዳዩን እዩ። እቲ ዝዓቢ ተሓታትነት ግን ሰብ ብዝፈፀሞ ጥፍኣት ይሕተት ማለት እዚ ናተይ ጥፍኣት እዩ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ፈጢሩ እዩ፣ ኣነ ተሓታታይ እየ ኢሉ ዓርሱ ክነቅፍን ጉድለቱ ከልዕልን ምግባር ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ስራሕ። ህወሓት ከዓ እዚኣ እዩ ገይሩ። ሕድሕድ ኣመራርሓን ኣባል ውድብን ክሳብ እቲ ሓፋሽ፣ ዘጥፈኣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነዚ ሕመቕ ኣብ ምምፃእ ብፅሒተይ እዚኣ እያ ነይራ ስለዚ ተሓታቲ ‘የ። በዚ ንዝመፀ ዝኾነ ይኹን ቅፅዓት ክቕበል ድልው’የ፣ ኣነ በዛ ጉድለት ተሓታቲ እየ ኢሉ ኩሉ ብብፅሒቱ ወሲዱ እዩ። ተሓታትነት ማለት እዚ እዩ። ተሓታትነት ማለት ክንድዚኣ ስለዝሰረቕካ ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ ምፍራድ ተገይሩ ጥራሕ እንተተወሲዱ መሰረታዊ ምዝባዕ እዩ ዝኸውን። እቲ ዓብይ ተሓታትነት ሕድሕዱ ተጋግየ እየ ውድበይን ህዝበይን መሊሰ ክኽሕስ ዕድል ይወሃበኒ ኢሉ። እዚ እዩ ብዋናነት ተሓታትነት ማለት። ነብሲ ወከፍ ሰብ በዚ ሕመቕ እዚ ልምዓትን ጥዑይ ምምሕዳርን ከይነግስ ህዝበይ ኣጓቲተዮ እየ፣ በዲለዮ እየ ኣጥፊአ እየ፣ ነይረ’ሞ ንክኽሕስ ሓደ ዕድል ይወሃበኒ በዚ ዝመፀኒ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቅፅዓት ተሓታቲ ኣነ እየ ኢሉ እዩ ተጣዒሱ።

ስለዚ እቲ ተሃድሶ መሰረታዊ ዕላምኡ እቲ ኣዐርዩ ዝበዝሕ ብኸምዚ ዝበለ ተሓታታይነት መንፈስ ናብ ሓዱሽ ዝተወዓዓየ ቓልሲ ምእታው ‘ዩ እምበር ምብራር ኣይኮነን። ብስጉምቲ ዝዕቀን መድረኽ ተሃድሶ የለን። ብዝተፈጠረን ብዝመፅእ ለውጢ ኣረኣእያን ምርድዳእን ብቑልፍነቱ ዝዕቀን መድረኽ ተሃድሶ እዩ። ስለዝኾነ እውን ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ዘሎ ዝተዛብዐ ኣተሓሳስባ ክስተኻኸል ኣለዎ ‘የ ዝብል። ናይቶም ሕመቓት ቁልፊ መሰረት ኩሉ እቲ ብግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ሓዊስካ ናይ ፖለቲካ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝንባለ እዩ። ሰረት ናይቲ ግዕዝይና ስልጣን ንህዝቢ እንተይኮነ ምንጪ መንበርን ምንጪ ናይ ውልቀ ምቾትን ገይርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ‘ዩ ነቲ ኩሉ ነገር ዝፈጠሮ። ብልሹው ኣሰራርሓ ክትክተል፣ ግዕዙይ ክትከውን ክትትግብር ወይ ክትፍፅም ‘ውን ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ‘ዩ መሰረቱ። ምንቅስቓስ ተሃደሶ ዝተወለዐ ፖለቲካሊ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሽግራት ካብ መሰረቱ ዘድርቕ፣ ኮለ ንግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን መሰረት ዝኸውን ኣረኣእያ ንምቕባር ዘኽእል ቃልሲ ‘ዩ ኣብዚ ተሃድሶ ተወሊዑ።

በዚ መንፅር እዚ ክረአይ ከሎ እቲ ዝተኻየደ ቓልሲ ዕውት እዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ቀንዲ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ነቲ ኣዐርዩ ካብ መስመር ዝወፀ፣ ዝተበላሸወን ዝበስበሰን ኣመራርሓ ኮነ ኣባል መምሃሪ ብዝኸውን መንገዲ ስጉምቲ ምውሳድ፤ ምግላስ ኮነ ምሽግሻግ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ብምብጋስ ውድብና ኣብቲ ኣዐርዩ ዘኽፈአ ብዝተፈለየ መንገዲ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝግባእ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ኣብ ውስናት ዘኽፍኡ በቢደረጅኡ ዘሎ ካብ ላዕለዋይ መራሕነት ጀሚሩ ክሳብ ታሕቲ ሽግሽግ ገይሩ እዩ። ምናልባት ገለገሊኡ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ካብ ስራሕ ፈፃሚ እንድሕር ዘይተሸጋሸገ ስጉምቲ ኣይኮነን ኢሉ ዝሓስብ፣ ምናልባት ቀሪቦም ኣብ ውሽጡ ከምዚ ዓይነት ፀገም እናሃለወ ተሸማጊሎም ተሰኻኺፎም ገዲፎምዎ ከይኾኑ ኢሉ ጥርጣረ ዘልዕል ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ግን ከምኡ ዝብል ዘሎ ሓልዩ ኣይኮነን፤ ከምኡ ዝብል ዘሎ ወያናይ ዴሞክራሲ ከም ሓይሊ፣ ኣረኣእያን መስመርን ክጠናኸር ድሌት ስለ ዘለዎ ኣይኮነን፤ እቲ ገሊኡ ነቲ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መሪሕ ከፍርስ ስለ ዝደሊ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኣፍቲ ኣኽፊኡ እዩ ዝበሎ ጫፍ እተን ክውሰዳ ዝግበአን ስጉምትታት ክወስድ ዝግበኦ ሽግሽግ ተወሲዱ እዩ፤ ዋላ ናብ ሕጊ ዝቐረቡ ኣካላት ካብ መራሕነት ‘ውን ኣለው እዮም። በቲ ካሊእ ገፅ ግን ሽግሽግ ክበሃል ከሎ ጥራሕ ነቒፍካ ምብራር ኣይኮነን። ብዓቕምን ተዛማዲ ሽግራትን ነቲ ሓፋሽ ከገልግል ዘይኽእል ኣመራርሓ በቢዝምጥኖ ንህዝቢ ብዘገልግል ብርኪ ብምደባ ብኣወዳድባታት ዝተመዓራረየ እውን ኣሎ። ስለዚ መሰረታዊ መስርሕ እቲ ተሃድሶ ፖለቲካዊ ቓልስን ናይ ኣረኣእያ ፅሬትን እዩ። ዝተጋገየ ኣመራርሓን ኣባልን ገምጊምካን ካብ ጉድለቱ ነፃ ኣውፂእኻን መሊስካ ናብ ሓደ ምምፃእን ሓዱሽ ዝቃለሰሉ መንፈስ ምፍጣርን ስለዝኾነ እቲ መሰረታዊ ሸቶ እቲ ተሃድሶ እዚ እዩ።

እዚ ኮይኑ ሓደ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባእ ነገር ኣሎ፤ እቲ ብውልቀ ብሕጊ ተሓታትነት ዘስዕብ ጉዳይ ግዕዝይና እንተተረኺቡ ሕቶ የብሉን፣ ጥርጥር የብሉን፣ ብሕጊን ምምሕዳር መዳዩን ተሓታትነት ከስዕብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ እዩ። ግን እቲ ከምዚ ዝበለ ናይ ግዕዝይና ሕመቕ ብገምጋም ብምንቕቓፍ ዝርግፍ ኢሉ፣ ጫሕ ኢሉ ክወፅእ ድዩ ትፅቢት ዝግበር? ስራሕ ፈፃሚ ህወሓት ኮነ ማ/ኮሚቴ እዚ ብውነ ሪኢዎ እዩ። ምኽንያቱ ገበን ግዕዝይና ዝተሓላለኸ እዩ። ብመስርሕ ገምጋምን ምንቕቓፍን ናይ ምርካብ ዕድሉ ፀቢብ እዩ፤ ዝተሓላለኸ ኣፈፃፅማ ዘለዎ እዩ። ብቐሊሉ ክርከብ እዩ ኢልካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ስለዚ ብ ማ/ኮሚቴ ይኹን ስራሕ ፈፃሚ ህወሓት እዚ ብቐፃሊ ካልኦት ብዙሓት ናይ መቆፃፀሪ ኣሰራርሓታት ኣወዳድባታት ብምሕያል ብምጥንኻር ንቐፃሊ ቃልሲ ክረአ ዝተደምደመ እምበር የለን ተባሂሉ ዝተዓፀወ ኣይኮነን።

ሕዚ ስቕ ኢልካ በቶም ናይ ሐዚ ገምጋማት ጥራሕ ተሓታትነት ከስዕቡ ዝኽእሉ ጉዳያት ግዕዝይና ብገምጋም ቁልጭ ኢሎም ክርከቡ ኣይኽእሉን። እቲ ክርከብ ዝኽእል እቲ ፖለቲካዊ መሰረቱ እዩ፤ መሰረቱ ከዓ ብሰፊሑ’ዩ ተወቒዑ። ንግዕዝይና ከም ፖለቲካዊ መሰረት ኮይኖም ዘገልግሉ ሰፊሕ ናይ ኣረኣእያ ሕመቓት ብሰፊሑ ‘ዩ ቃልሲ ተገይርሎም። ግዕዝይና የብልናን ካብ ግዕዝይና ዝነፃህና ኢና ኢሉ ውድብ ህወሓት ኣይኣወጀን። እታ ክሳዕ ሐዚ ክኸዳ ዝግበአኒ ከይደ ኣለኹ ካብኡ ግን ግዕዝይና ናይ ባዕሉ ባህርያት መሰረት ገይረ ንቐፃሊ ክቃለሶም ኣለኒ ኢሉ እዩ ኣቐሚጥዎ ዘሎ። እዚ ኮይኑ ግን ምስ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን እንተይተሰኻኸፍካ ነብሲ ወከፍ ከዓ ብወረ ዝሰምዖ ”ብፌስ ቡክ” ከይተረፈ ዝበሃል፣ ዝውረ እከለ ከምዚ ትበሃል ኢኻ ትሕመ ኢኻ ብዝብል ቀሪቡ እዩ። ተሰኻኺፍካ ዝተረፈ ነገር የለን። ኩለን ቀሪበን መብርሂ ክወሃበን ዝግባእ ነገራት ተዋሂቡወን ኣሎ። ካብኡ ንላዕሊ መረዳእታ ሒዝካ ክርአ ዝግበኦ ነገር ከዓ ንምርኣይ ክፍቲ እዩ። እቲ ቓልሲ ተጀሚሩ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። ስለዚ በቲ ሓደ ገፅ እቲ ጥዑይ ሓይሊ ወያናይ ዴሞክራሲ፣ ውድብና ክጠናኸር ዝደሊ ምናልባት በዚኣ ገፅ ከ ከይዶም ‘ዶ ይኾኑ ኢሉ ነቲ ዝጠራጠር፣ እዚ ገይርና ኢና። እታ እትስማዕ፣ እታ ትውረ ቀሪባ መብርህታት ክወሃባ ተገይሩ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ መሰጎሚ ዘይረኸብናሉ ከዓ ዘለዎ እንተኾይኑ ተሓቢኡ ክነብር ኣይኽእልን እናተርኣየ ክኸይድ እዩ። ስለዚ እዚ ዝገበርና ምዃንና ህዝብና ክርዳእ ኣለዎ። እዚ ዝገበርና ምዃንና ኣባልና ኽርዳእ ኣለዎ። እዚ ዘይገበርና መሲልዎ ጥርጣረታት ሓዲርዎ እንተነይሩ ገይርና ኢና። እቲ ቓልሲ ‘ውን ኣይዓፀናዮን ክፍቲ እዩ። በዚ ምኽንያት ክሓድር ዝኽእል ጥርጥር እንተዘይህሉን ተኣማሚንና ተረዳዲእና ኣብ ሞንጎና ሓድነት ኣጠናኺርና እቲ ኣባል ‘ውን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ኣመራርሓ እምነት ኣሕዲሩ ሓደ ኮይንና እንተተቓለስና ‘ዩ ሕዚ ዘዋፅአና። ብዝተረፈ ሓደ ነቲ ሓደ ብዝኾነን ብዘይኾነን ጥርጣረታት እናሕደረ ምኻድ ኣየድልን። ክንገብሮ ዝግበኣና ኣብዚ ገይርና ኣለና፣ ዝቐረየ እንተሃለወ ንቐፃሊ ቓልሲ እኒሀ፣ ክሳብ ንሱ ዝኸውን ከዓ ተኣማሚንና ተረዳዲእና ክንኸድ ኣለና። ከም ኣነ ሐዚ ሰፊሕ ግልፅነት ዝተፈጠረ ‘ዩ ዝመስለኒ፣ ዝሕመ ዝነበረ ኩሉ ተዘሪቡ ወፂኡ እዩ። ብውልቀይ እውን ከም ሓደ ናይ ተሃድሶ ውፅኢት ገይረ ዝወስዶ ኣብ ሞንጎ እቲ መሪሕነት ዝተፈጠረ ግልፅነትን ምርድዳእን እዩ።

ወይን፦ እቲ ምጥርጣር ደኣ ካብ ምንታይ እዩ ዝነቅል?

ኣይተ ኣለም፦ እዚ ሕቶ ኣብ ክልተ እየ ከፊለ ክሪኦ። ናይቲ ህዝብን ኣባልን ጥርጥር መሰረቱ ውድብ ናይ ምዕራይ እዩ። ዝቐሪ ነገር ዘይትርኣየ ከይህሊ እሞ ውድብና ተጠናኺራ ከይወፀት ከይትተርፍ ካብ ምሕሳብ ስለዝብገስ ጥዑይን ደጋፍን ኣረኣእያ እዩ። መሊኡ ዝጠዓየ ዝተሃደሰ ውድብ ህወሓት ናይ ምድላይ ኣረኣእያ እዩ። እዚ ክቕፅል ኣለዎ፤ ጥንቃቐ ዝሓዘ ውድብ ናይ ምፅራይን ጥዕይቲ ውድብ ናይ ምድላይን ተበግሶ እዩ። ካብዚ ብዝተፈለየ፣ ካብ ዘይተወደቡን ዝተወደቡን ውሑዳት ብጉጅለን ብውልቀን ፀረ ወያነ ፅግዕተኛ ጉጅለታት ግን ብመሰረቱ እዚኦም ህወሓት ክትፈርስ ዝደልዩ እዮም። ወያናይ ዴሞክራሲ ተጠናኺሩ ገዊዱ ከይወፅእ ዝደልዩ እዮም፤ ስለዚ “ህወሓት ኣይተሓደሰትን” ዝብል ጭርሖ ብሰፊሑ ፎቖዶ ማሕበራዊ ሚድያ ከስጉሙ ንሪኦም ዘለና ሰባት እዮም። ቀንዲ ጉዳዮም ዘይፀረየ መሓውር ሃልዩ እሞ ንሱ ክፀሪ ደልዮም እንተይኮኑስ ብሽም ስጉምቲ ኣይተወሰደን ዝብል መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዓብይ ጥርጣረ ንክኣቱ እምነት ክስእን ንምግባር ዝኽተልዎ ዘለው ናይ ቃልሲ ስልቲ እዩ። እምበር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓይልታት ህወሓት ጥዑይ መራሒ ክህልዋ ኢሎም ተገዲሶም ኣይኮነን። ስለዚ “ኣብ ህወሓት ተሃድሶ ኣይተኻየደን፣ ስጉምቲ ኣይተወሰደን” ኢሎም ዝገልፁ ነቲ መሪሕነት እቲ ሓፋሽ ብዓይኒ ጥርጣረ ክሪኦን መሪሕነት ህወሓት ንኽውቃዕን እዩ። ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ናይ ምውቃዕ ተልእኾ ዝሓዘ ሕመቕ እዩ። እዚ እንተኾይኑሎም ብዝተፈላለየ መራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ብማሕበራዊ ሚድያ ብውልቀን ጉጅለን ይዘምቱ ምህላዎም ይፍለጡ እዮም። ስለዚ ናቶም ልኡኽ ንፁር እዩ፣ ህወሓት ንምፍራስ እዩ። ዝነዝሕዎ ዘለው ፀረ ወያነ ምንቅስቓስ ብዕሊ ከምዝርአ ህወሓትን ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ናይ ምፍርራስ ዕላዊ ተልእኾ ሓንፂፆም ሒዞም ክንቀሳቐሱ ዝጀመሩ ዕሉላት ፀረ ህዝብን ወያናይ ዴሞክራሲን ሓይልታትን ጉጅለታትን እዮም። ስለዚ መላእ ኣባልና፣ መላእ ህዝብና ጐድና ጐድኒ ናይ ተሃድሶ መድረኽና ነዚ ተረዲኡ ኣንፃር እዞም ጉጅለታት፣ ውልቀ ሰባትን ሓይልታትን ዝግበር ቃልሲ ብንቕሓት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ሪኢቶ እዩ ዘለኒ።

ወይን፡- ኣብቶም ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ምስ ሕቶ መንነት ተኣሳሲሩ ጉዳይ ወልቃይት ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ እናተልዓለ ፀኒሑ እዩ። እዚ ዝለዓል ዝነበረ ድማ ብባዕሉ በቲ ህዝቢ እንተይኮነ ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ብዘለዉ፣ ነቲ ጉዳይ መግለፂ ጫፍ ሕቶ ኩሉ ህዝቢ ኣምሓራ ገይሮም ዘልዑሉ ኣካላት ወይ ሓይልታት እዮም። ኣብዚ መዳይ ከም ውድብ እንታይ መርገፂ እዩ ዘሎ? ህወሓት’ከ ነዚ ኩነታት ብኸመይ ተቓሊስዎ? ኣተኣላልያኡ ኸ?

ኣይተ ኣለም፦ መንነት ብዝምልከት መጀመርታ ከም መእተዊ ሓደ ነገር ክብል ይደሊ። ወልቃይት ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብን ዓድን ስለዝኾነ ቅድሚ ኹሉ ሕቶ መንነት ንዓና ዘስግአና፣ ዘሰክፈና ውድብን ህዝብን ኣይኮንናን። ስለምንታይ ትማሊ ህወሓት ይኹን ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ ህዝብታት ክኾርዑን መንነቶም ከኽብሩን መስዋእቲ ዝኸፈልና ህዝብን ውድብን ስለዝኾና። ሕቶ መንነት ዘስክፈና ዝጨንቐና ኣይኮናን ንሕና። እቲ ኣብ ሕገመንግስቲ ተቐሚጡ ዘሎ መሰል ንምኽባር መንነት ውፅኢት ናይ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ እዩ። እዚ ሓደ ንበል። ካብዚ ሓሊፉ ግን ናይ ብሓቂ ሕቶ መንነት ዝምልከት ኣብ ህዝቢ ወልቃይት ኣሎ ድዩ?፣ መን እዩ ሕቶ መንነት ኣልዒሉ ዝሓትትን ዝንቀሳቐስን ዘሎ፣ እንታዋይ እዩ እዚ ሓይሊ እዚ እውን ምርኣዩ ኣድላዪ እዩ ዝመስለኒ። ህዝቢ ወልቃይት መዓዝ? ብመን ግዜ? ንምንታይ? እዩ ካብ ምምሕዳር ትግራይ ወፂኡ ግዝኣት ጐንደር ኮይኑ? ዝብል ንቐባሪ ምርዳእ እዩ መስለኒ። ህዝቢ ወልቃይት መንነቱ ስለዝሰኣነ ግን ንዝበፅሖ ኣድልዎን ሽግር መንነትን ደርባውን ብሄራውን ወፅዓን፣ ትግራዋይ መንነቱ ናይ ምጥፋእ ወፅዓ ክቃለስ ምስ ውድቡ ህወሓት ተሰሊፉ ተቓሊሱ እዩ። ህወሓት ኣብ ከባቢ ወልቃይት (ካባቢ 1971 ዓ/ም) ምንቅስቓስ ምስ ጀመረት ኩሎም ሓይልታት ምድሕርሓር ደርጊ፣ ኢህኣፓ፣ ኢዱ… ኣብ ዝነበርሉ እዋን ህዝቢ ወልቃይት እታ ትኽክለኛ መንነቱ ተረጋግፀሉ፣ እታ ወፅዕኡ ተራግፈሉ መሪሓ ናብ ዓወት ተብፅሖ ውድብ ህወሓት ምዃና ከይመናተአ ናብ ህወሓት ውሒዙ ተሰሊፉ፤ መንነቱ ንከኽብር ደም ከፊሉ መስዋእቲ ኮይኑ እዩ። ትግራዋይ መንነቱ ከኽብር ብደሙ ብቓልሱ ብተጋድልኡ ዝተቓለሰን በዚ ዝኾርዕን ህዝቢ እዩ።

ህዝቢ ወልቃይት ተቓሊሱ መስዋእቲ ኮይኑ፣ ብዝተሓንፀፀ ታሪኻዊ ሕገመንግስቲ ድማ ሕገመንግስታዊ መሰረት ብዘለዎ ጉዳይ መንነቱ ተመሊስሉ ዝሓደረ ህዝቢ እዩ። እዚኣ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጣ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሕዚ በፂሑ ሕቶ መንነት ከልዕል ኣይኽእልን ኣየልዕልን እውን። ትማሊ ንመንነቱ ተቓሊሱ ደም ከፊሉ መንነቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ሕዚ ሕቶ መንነት ዘልዕለሉ ምኽንያት ፈፂሙ የለን። መን እዩ፣ ንምንታይ እዩ ድኣ እቲ ሕቶ ዘልዕል ዘሎ? ትማሊ እንታይ ኢና ኢልና ብቓልሲ ህዝብታት ኢትዮዽያን ህዝቢ ትግራይን ሓመድ ድበ ዝኣተዉ ሓይልታት ትምክሕቲ ሓይልታት ፅግዕተኛ፣ ኣረኣእይኦምን ዕላምኦምን ንምስኻዕ ዝሓዝዎ መርገፂ ፀረ ህዝቢ፣ ፀረ ምዕባለን ፀረ ሃገርን ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ሓይሊ ምድሕርሓር ፅግዕተኛ ኣነ ፀረ ህዝቢ፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን እየ ኢሉ ክቐርብ፣ ከምኡ ኢሉ እውን ብዕሊ መርገፂኡ ኣሰጒሙ ብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ስለ ዘይኽእል እቲ ቀንዲ ስልቲ ብሄራዊ መልክዕን ድሌትን ሽፋን እናተሓዝካ ብምፍፃም ናይ ምድሕርሓር ዕላማኡ ናይ ምስኻዕ ተንኮል እዩ። ሕዚ ኣብ ሞንጐ ፅግዕተኛ ፀረ ወያነ ሓይልታትን ትምክሕተኛ ኣረኣእያታትን ዝለዓለ ጥብቂ ምትእስሳር ፈጢሩ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቶም ከምዚኦም ዝበሉ ፅግዕተኛ ሓይልታት ብሽም መንነት፣ ናብ ሰፈሕ ኣረኣእያ ትምክሕቲ፣ ንወዲ ሰብ ብመርገፂኡ፣ ፖለቲካዊ ኣሰላልፍኡን ቅዋሙን እንተይኮነ ብዘርኢ ብምፍላይ ሓደ ዘርኢ ኣብቲ ካሊእ ዘርኢ ጥርጣረን ግጉይ ኣረኣእያን ክፈጥር ብምግባር ዕላምኦም ንምስኻዕ ዝፍሕስዎ ዘለዉ ውዲት እዩ።

ስለዚ እዚ ሕቶ ናይ መን እዩ? እንተይልካኒ ብፀቢብነት መልክዑ ሓይልታት ትምክሕትን ፅግዕተኛታትን ገሊኦም ኣብ ደገ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ኮይኖም፣ ኣብ ውሽጢ ብኣዴን እውን ነዚ ከምዚ ዝበለ ፅግዕተኛ ትምክሕቲ ኣረኣእያ ዘተኣናግድን ብኸምዚ ዝበለ ፅግዕተኛ ምብስባስ ጫፍ ምስዝበፅሐ ሕመቕ ዝተኣሳሰሩን እቲ ዝፈረሰ ናይ ግዝኣት ሓድነት ንምምላስ ናይ ዝግበር ፈተነ ጉልባብ፣ ብሽም መንነት ዝግበር ዘሎ ፀረ ወያነ ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ ብሽም መንነት ዝለዓል ዘሎ ጉዳይ ወልቃይት ሙሉእ ብሙሉእ ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ኣይኮነን፣ ናይ ውድብ ብኣዴን እውን ኣይኮነን፣ ሕቶ ሓፋሽ ህዝቢ ኣምሓራ እውን ኣይኮነን፣ ሙሉእ ብሙሉእ ሕቶ ናይቶም ዕሉላት ፅግዕተኛታትን ትምክሕተኛታትን እዩ። ስለዚ ሕቶ መንነት ወልቃይት ትማሊ ተቓሊስና ናይ ዝሰዓርናዮም ተረፍመረፍ ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ብሽም መንነት ገይርካ ናይ ቀደም ስርዓት ንምምላስ ዝግበር ፈተነን ምንቅስቓስን ስለዝኾነ ህወሓት ነዚ ብትረት እዩ ዝቃለሶ። በቲ ዝመፀሉ መልክዕ ተሪር ብዝኾነ ኣንፈት ቃልሲ እውን እዩ ዝኸዶ ዘሎ። ሓይልታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ዝኽተልዎ ብሽም መንነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብታን ውዲት ብምዃኑ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብኹሉ ዓቕሞም ዝቃለስዎን ዝምክትዎን ፀረ ወያነ ምንቅስቓስ እውን እዩ። ኣብቲ ምቅልላስ ቅድሚ ኹሉ ከም ህወሓት ናይ ባዕልና ጉጉይ ኣረኣእያታት ብምውጋድ ኢና ክንጅምር። እቲ ናይ ቃልሲ ዓወታትና ክንጠምር እቲ ዝበታትነና ክነወግድ ቅድሚ ኹሉ ናይ ባዕልትና ሕመቕ እንተስ ፀቢብነት እንተስ ፀረ ዴሞክራሲ እንተስ ካሊእ ሕመቓት ብምቅላስ ንጀምር ኢልና ጀሚርና ኢና። ካብ ናይ ባዕልትና ጉድለት ካብ ምቅላስ ተበጊስና ከዓ ኣብ ውሽጢ አህወዴግ እውን መትከላዊ ዝኾነ ቓልሲ፣ ኣብ ሞንጐ እተን ውድባት ዝህሉ መትከላዊ ዝኾነ ቓልሲ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ እውን ክካየድ ንግበር። ካብዚ ሓሊፉ ግን ኣንፃር ትምክሕቲ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ብቀንዱ ነቲ ሕመቕ ክቃለስ ዝግባእ ውድብ ብኣዴን እዩ። ውድብ ብኣዴን ቅድሚ ኩሉ ኣብ ውሽጡ እቲ ኣተሓሳስባታት ትምክሕቲ ከም ውድብ ብቑርፂ ምቅላስ ጀሚሩ ኣሎ፤ ምስ ሓው መቓልስትና ብኣዴንን ህዝቢ ኣምሓራን ኮይንና ንሕና እውን ክንቃለስ ኢና። ኣብዚ ተሃድሶና እውን ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።

ወይን፦ ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ሞንጐ ጠገዴን (ኣምሓራ) ፀገዴን (ትግራይ) ዝርከብ ፍሉይ ቦታ ግጮ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ተወሳኺ መበገሲ ሕቶ ከባብታት ወልቃይትን ፀገዴን ኮይኑ ክለዓል ይስማዕ እዩ። ጉዳይ ግጮ ንልዕሊ 25 ዓመታት ጠንቂ መንቀሊ ዘይምርግጋእን ፍሕፍሕን ዝኾን ዘሎ ንምንታይ እዩ? መዕለቢ ከይተገበረሉ ንምንታይ እዩ ዓመታት ፀኒሑ? ቐፃሊ ፍታሕ ኸ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ኣይተ ኣለም፦ ጉዳይ ግጮ ብዝምልከት ቅድሚ ኩሉ ምስ ወልቃይት ምንም ዘተኣሳስር ነገር የብሉን። እቶም ትምክሕተኛታት ኮነ ኢሎም ምስ ምስ ሕሉፍ እናዛመዱ ንሕቶኦም መባርዕን መላዓዓልን ምእንታን ክጥቀምሉ እንከይፈላለዩ እዮም ዝሪእዎ። ብዝኾነ ግን ጉዳይ ግጮ ማለት ኣብ ሞንጐ ትግራይ ዝተኸለለ ፀገዴን ኣብ ሞንጐ ኣምሓራ ዝተኸለለ ጠገዴን ናይ ወሰን ናይ ምክላል ጉዳይ እዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ ሞንጎ ብኣዴንን ህወሓትን ኣብ ሞንጐ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን እቶም ኣብ ሓደ ድፋዕ ዝወደቑ ህዝብታትን ውድባትን ዓብዪ ጉዳይ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት እንተዘይነበረ እውን ምስቲ ኣብ ውሽጥና እናማዕበለ ዝመፀ ሕመቓት ብፍላይ ደማ ፅግዕተኛታትን ትምክሕተኛታትን ነቲ ጉዳይ ምስቲ ናይ መንነት ተወሳኺ ሽፋን ክኾኖ ዝሰርሕሉን እናንበድበድዎ ዝፀንሑን ምዃኑ ተዛሚዱ ዘይመልክዑ እናሓዘ መፂኡ እዩ። እዚ ብእዋኑ ክፍፀም ዝነበሮ ዋኒን እዩ ኢሉ ህወሓት እውን ገምጊሙ እዩ። ሕዚ ተቐላጢፍካ መልክዕ ብዘለዎ እቲ ጉዳይ ክውዳእ ከም ዘለዎ ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ ተመስሪቱ ኣብ ሓፂር ግዜ ንክውዳእ መደብ ተታሒዝሉ እዩ። ክልቲኦም ውድባት እውን ኣብ ብኸምዚ ዝበለ ምርድዳእ ክፍፅምዎ ዝተትሓዘ ጉዳይ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወይን፦ ብፍላይ ካብዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፍጠሩ ዝነበሩ ብዕራይ ወለደ ወረታት ከም ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋዕ ንከይህሉ ዝለዓለ ግደ ተፃዊቶም እዮም። ስለዝኾነ ማሕበራዊ ሚደያ ካብ ልምዓታዊ ኣበርክትኡ ሓሊፉ ንምጉህሃር ዕግርግር ሓደ ምኽንያት ኮይኑ እዩ’ሞ ብዛዕባ ፅልዋ ማሕበራዊ ሚድያን ኣመኻኽታኡን ውድብ እንታይ እዩ ገምጊሙ?

ኣይተ ኣለም፦ እቲ ሕዚ ዘለናዮ መዋእል፣ መዋእል ድጅታል መራኸቢ ተባሂሉ እዩ ዝውሰድ፤ እዚ እዋን መራኸቢ ብብርኪ ዓለም ዓብዪ ቦታ ዝሓዘሉ ወቕቲ እዩ። ኣብ ዕለታዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ፍሰት ሓበሬታ እውን ተኣምራዊ ለውጢ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ። ብመዳይ ፍሰት ሓበሬታ ዓለምና ሕዚ እውን ናብ ሓንቲ ንኡሽተይ ቑሸት ቀይርዋ ዘሎ ወቕቲ እዩ። ስለዚ እዚ ምንም ዘይግበር ዓላማዊ ውፅኢት ምዕባለ ቴክኖሎጂ ስለዝኾነ ሃገራት ኮነ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስቲ ዘመኑ ዝኸይድ ስትራተጂ ሓንፂፆም ምንቅስቓስ ናይ ምግባር ጉዳይ ህልውና ዝኾን ዘሎ ወቕቲ እናኾነ እዩ ዝመፅእ ዘሎ ኣብ ዓለምና ሕዚ ብመስተንክር ቅልጣፈ እናጐልበተ ዝመፅእ ዘሎ መራኸቢ ዲጂታል ብዝዓበየ ዝግለፀሉ ብዌብሳይታት፣ ናይ ሓባር ኢ-ሜይላት፣ ዝተፈላለዩ ድሕረ ገፃት… ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ቦታታት እናሓዙ ይመፁ ኣለዉ። በዚ ስርሒት ከዓ እቲ ሓዱሽ ዓውደ ግምባር ዳርጋ ናይ ዲጂታል ውግእ ዝበሃል ዝተወለዐሉ እዋን ኢና ዘለና። ማሕበራዊ ሚድያ ውህብ ከም ምዃኑ ኩሉ ባህሪያቱ ተረዲእኻ ናብ ረብሓኻ ካብ ምውዓል ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ የብሉን። ምኽንያቱ ውሁብ ነገር ኮይኑ ቴክኖሎጂ ዘምፅኦ ምዕባለ እዩ። እዚ ከከም ኣገባብ ዝተጠቐምካሉ ስለዝኾነ ሓይልታት ጥፍኣትን ፀረወያነን ንጥፍኣት ንምልዕዓል፣ ንባዕዳዊ ተግባራትን ምፍራስ ስርዓትናን ክጥቀምሉ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ።

ብወገንና ከም መንግስቲ ይኹን ከም ውድብ ግቡእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃብናሉ ገምጊምናዮ ኢና። ኣብ መዋእልና ዘሎ ጭቡጥ ተርእዮ ስለዝኾነ ከም ኩሉ ቴክኖሎጂታት ጉድለቱ ብምቁፅፃርን ብምቕናስን ሳይንሳዊ ብዝኾነ ኣካይዳን ምምሕዳርን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ምስራሕ ድሌት ጥራሕ ከይኮነ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ምዃኑ ውድብና ብዝርዝር ሪእይዎን ገምጊምዎን እዩ። ኣብዚ ተመስሪቱ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ መቃለሲ ስትራተጂ፣ ኣወዳድባን ሓይሊ ሰብን ክፈጥር ወሲኑ ኣሎ። መላእ ኣባላቱን ደገፍቱን ኣኽቲቱ ንረብሓ ህዝብን ንጉዕዞ ዴሞክራስን ብዝጠቅም ሓደ ኣገዳሲ መሳርሒ ገይሩ ብምውሳድ ኣብዚ ግምባር ድጅታል ውግእ ስዒርና ክንወፅእ ብትኹረት ክንሰርሕ መደብ ኣውፂአና ክንንቀሳቐስ ከም ዝግባእ ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ሓይልታትን ውልቀ ሰባትን ፀረ ወያናይ ዴሞክራሲ ብዝኾኑ ብዕራይ ወለደ ሕሶታትን ምድንጋርን ኣቢሎም ህወሓትን ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ንምውቃዕ ካብ ዝጥቀሙሎም መሳርሕታት መራኸቢ ሓፋሽ፣ እቲ ዝዓበየ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝገብርዎ ዘመተ ዝለዓለ ሽፋን ዘለዎ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ስለዝኾነ ከም ውድብ ክምራሕ ከም ዘለዎ መላእ ኣባላትን ደገፍትን ድማ ኣብቲ ግንባር ክኸቱን ክቆፃፀርዎን ገዛኢ ቦታ ክሕዙን ብፍላይ እቲ ሕዚ ዘሎ ትውልዲ በቲ ፀረ ወያናይ ዴሞክራሲ ፀረ ልምዓትን ለውጥን ህዝቢ ትግራይ ከይተደናገረ ኣንፃር እቲ ዘመተ ብምንቅስቓስ ክምክትን ህዝባዊ ወያነኡ ክዕቅብን ብውነ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ተገንዚቡ ኣብቲ ገምጋም ርኢዎ እዩ።

ወይን፦ ኣብ ሞንጐ ውድባት ህወሓትን ብኣዴንን ዝፀንሐን ብዓፅመ ስጋ ዝተሃነፀን ነዊሕ ታሪካዊ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ኣብ ቦትኡ ኣሎ ‘ዶ ክበሃል ይከኣል?፣ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝሰምዑ ገለገለ ርኢቶታት ኣለዉ፤ ብኣዴን ዘካየዶ ተሃድሶ ግልፅነት ዘይነበሮ ብኡ ልክዕ ኣብቲ ክልል ዝተፈፀመ ጥፍኣት መራሕቲ እቲ ውድብ ተሓታቲ ዘይገበረ ተሃድሶ ኣይነበረን ዝብል እዩ። ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ዝምጥን ሕጋውን ፖለቲካውን ተሓታትነት ናይ ሰባት ዘመላኽት ገምጋም ኣይተኻየደን ብምባል ነቲ ብኣዴን ዘካየዶ ተሃድሶ ኣብ ሕቶን ጥርጣረን ዘእትውዎ ሰባት ኣለዉ። እዚ ምስ ኣምር እቲ ተሃድሶ ኣተኣሳሲሮም ከምይ ክገልፁልና ይኽእሉ?

ኣይተ ኣለም፦ ቅድሚ ኹሉ ብኣዴን ከም ውድብ ከምሓይሊ፣ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ሓይልን ውድብን እዩ ዝብል ክስመረሉ ዘለዎ ይመስለኒ። መስመር፣ ፕሮግራም ወያናይ ዴሞክራሲ ምስሓዘ ሕዚ እውን ኣብ ቃልሲ ዘሎ ውድብ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ኣብ ሞንጐ ውድባት ህወሓትን ብኣዴንን ዘሎ ምትእስሳርን ምሕዝነትን ዝበልካዮ እውን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ብሄራዊ መልክዕ ኣወዳድባ ከምዘለዎ ኮይኑ ብሓደ ፕሮግራም ብሓደ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ንቃለስ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ውድባት ኢና። ብኢህወዴግ ደረጃ እንተኾነ እውን ከምኡ እዩ። ብሓደ ፕሮግራም ብሓደ ዴሞክራሲያዊ መስመር ንቃለስ። እቲ ትማሊ ብሓባር ኣብ ሓደ ድፋዕ ዝወደቕናሉን ብሓደ ደም ዘፍሰስናሉን እውን መሰረቱ እዚ እዩ። ብምዃኑ እውን ብኣዴን ከም ውድብ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ሒዙ ሕዚ እውን ዝምርሽ ዘሎ እዩ ውድብ እዩ። ነዚ ከም ሓደ ብቑዕ መርኣዪ ዝመስለኒ ብኣዴን ከም ኩለን ብሄራዊ ውድባት ኣብዚ ናይ ሕዚ ሰፊሕ ምንቅስቓስ መድረኽ ተሃድሶ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዝማዕበለ ሰፊሕን ሓደገኛን ኣረኣእያን ተግባርን ትምክሕቲ ከም ውድብ ብመንፅር ወያናይ ዴሞክራሲ ኣረኣእያ ብትረት ምቅላስ ጀሚረዎን እናተቓለሶ እውን ይኸይድ ኣሎ እየ ዝብል። ብመንፅር ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ምምካት ጀሚርዎ እዩ።

ኣብቲ ድኽመታትን ሕመቓትን ብትሕዝቶኡ ንመስመር ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ዝህልዎ ሳዕቤን እትርአ ዘይሩ ዘይሩ እቲ ኣብ ኩለን ብሄራዊ ውድባት እንኮላይ ኣብ ህወሓት ዘጋጠመ ሕመቕ ዝንባለን ምብስባስ ፅግዕተኛ ኣረኣእያ ብትሕዝቶኡ፣ ብሳዕቤኑን ከምኡ እውን ብፖለቲካዊ ትርጉሙ እንተርኢናዮ ኣብ ህወሓት ይኹን ኣብ ብኣዴን ዘጋጠመ ፀገም ተመሳሳሊ እዩ። ናይ ብኣዴን ሓደ ዝፈልዮ ነገር እንተሃለወ እቲ ናይ ትምክሕቲ ኣረኣእያ ጫፍ ወፂኡ እቶም ኣብ ሓደ ድፋዕ ዝወደቑ ህዝብታት ካብ ኣረኣእያ ሰጊሩ ብዘርኢ ኣብ ርእሲ ካሊእ ብሄር ብፍላይ ኣብ ብሄረ ትግራይ ገበን ናብ ምፍፃም ዝሰገረ ኣረኣእያ ምዃኑ ጥራሕ እዩ። ብወገነይ ኣብቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እዚ ከምዚ ዓይነት ሽግራትን መሰረታዊ ሕመቓትን ነቲ ሕመቕ በቲ ዝተርኣየሉን ዝተገለፀሉን ደረጃ ዝፈጠሮ ሳዕቤንን ሕድሕዱ ክነቓቐፈሉ ፈቲኑ እዩ። ብገምጋምን ብምንቕቓፍን ደረጃ ዝተኻየደ ርሕቐት ቀሊል እዩ ዝብል ግምት የብለይን።

ካብቲ ኣብ ህወሓት ዝተኻየደ ገምጋም እውን ፈልየ ኣይሪኦን። ብመሰረት እቲ ቅድም ኢልና ዝረኣናዮ ሕድሕድ ኣመራርሓ “ኣጥፊአ እየ፤ ንዝኾነ ዓይነት ተሓታትነት እውን ድልው እየ፣ ዘበላሸክዎ ጉዳይ እውን ንከዐሪ ዕድል ይወሃበኒ” ዝብል በዚ መንፈስን በዚ ደረጃ እዚን ዝቐረበሉ ኩነታት ብምህላዉ ብኡ ልክዕ ከምዝተገምገመ እየ ዝፈልጥ። ብድምር ኣብ ብኣዴን ዝተኻየደ ቓልስን ተሓታትነትን ብቑዕ ድዩ ኢልካ ምሕታት ኣብቲ ውድብ ብሓፈሻ ኣብ ኢህወዴግ ድማ ብፍላይ ብኣዴን ንቐፃሊ ኣብዘካይዶ ቓልሲ ዝጠቅም ስለዝኾነ ብቑዕ ድዩ ኢልካ ምልዓል ሽግር ኣለዎ እዩ ዝብል ርኢቶ የብለይን። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕዚ ብመድረኽ ደረጃ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ተኻይዱ ዘሎ ቓልስታት ግን ብመሰረቱ ብኣዴን ኣብቶም ዝተርኣዩ ነቲ ዝተገለፀ ሕመቓትን ሽግራትን ምንጪ ዝኾነ መሰረታዊ ኣረኣእያታት ከም ኩለን ውድባት ቃልሲ ወሊዑ እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ኣብ ሞንጐ ህወሓት ኮነ ኣብ ሞንጎ እቲ ብቐፃሊ ዝግበር ምድግጋፍ ብጠቕላላ ከም ኢህወዴግ ክንሪኦ ከለና ንሓዋሩ እውን መትከላዊ ቓልሲ እናገበርካ ምኻድ ስለዝኾነ ተረፍ መረፍ ብደንቢ ዘይተቓለሰሎም መዳያት እንተሃልዮም እውን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ እቲ ቓልሲ ብቐፃሊ እናወላዕናዮ እናተቓለስናዮ በቲ ኣብ ተሃድሶ ዝዓተርናዮ ኣረኣእያን ፅሬትን ንቐፃሊ እናረኣናዮ ክንከይድ ኢና። ስለዚ ኣብዚ መስርሕ ተሃድሶ ከምቲ ኣብ ህወሓት እውን ዝረኣናዮ ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ ምብፃሕ መሰረታዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ብኣዴን ሕዚ ጀሚርዎ ዘሎ ፀረ ትምክሕቲ ቓልሲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምንም ጥርጥር የብሉን

ወይን፦ ካብቶም ዓበይቲ ሕቶታት ህዝቢ ሓደ ኣብ ክልልና ዝርአ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር እዩ። ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ድማ ብትርጉሙ ኣብ መንጐ ህዝብን ውድብን ዝነበረ ርክባት ክሽርሽር ዝኽእልን ምትእምማን ዘይፈጥርን እዩ። ስለዝኾነ ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ድሕሪ እቲ ሕዚ ተኻይዱ ዘሎ ተሃድሶ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላስ እንታይ ዓይነት ገፅታ (መልክዕ) ክህልዎ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ኣለም፦ እቲ ሕዚ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ ምንቅስቓስ ቑልፊ መገማገሚና፣ መነቓቐፊና፣ ገይርና ዝወሰድናዮ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ምሽርሻር ህዝባዊ ኣረኣእያን ውግንናን እዩ። በዚ ድማ ክሳብ ታሕቲ በዚ ሕመቕ እዚ ኩሉ ሰብ ክገማገም ክነቓቐፍ ተገይሩ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ንኹሉ ኣመራርሓ እንኮላይቲ “ፐብሊክ ሰርቪስ” ሓዊስካ በዚ ከምዚ ዓይነት ሽግርን ፀገምን ምኽንያት ክነቓቐፍ ዝተገበረሉ ኩነታት ኣሎ። ስለዝኾነ እዚ ኣተሓሳስባታት ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብዚ ተሃድሶ ሓደ መሰረት ኮይኑ ከገልግል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፣ ነብሰ ወከፍ ኣመራርሓ በዓል ሞያ በቲ ዝገምገሞ፣ በቲ ዓርሰ ነቐፌታ ዝገበሮ፣ በቲ ክሕተት ይኽእል እየ ኢሉ ዝተነሰሃሉ ጉድለት ካብኡ ሓሊፉ ንዕኡ ኣሪሙ ብቑዕ ቓልሲ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ክገብር ኣብኡ ድማ በቲ ዝተነሳህናዮ ዓርሰ ነቐፌታን ዝገበርናዮ ገምጋምን መጠን ስራሕቲ ሰናይ ምምሕዳር ነረጋግፅ ዶ ኣለና ኢልና መቀላለሲ ንምግባር መቀላለሲ እውን ጐልቢቱ ንምውፃእ፣ ሕዚ ዘካየድናዮ ተሃድሶን ሰናይ ምምሕዳርን ፅቡቕ መሰረት ኮይኑ ከገልግል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እንተኾነ ግን ሓደ ነገር ክስትውዓል ኣለዎ። ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ሓደ ፀሓይ እተረጋግፆ ጉዳይ ኣይኮነን። ሙሉእ ስምምዕነትን ምርድዳእን ክህሉ ዘለዎ ይመስለኒ። ከይዲ እዩ፤ መስርሕ እዩ፤ መስርሕ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነ ምስቲ ኣጠቓላሊ ለውጢ ናይ ፖለቲካ ኢኮኖሚ እውን ብጣዕሚ ዝተኣሳሰረን ዝተዛመደን እውን እዩ።

ስለዝኾነ ብናይ መድረኽ ገምጋማት ብናይ መድረኽ ምንቕቓፋት ዝውዳእ ነገር ኣይኮነን። ናይ ዘየቋርፅ ህዝባዊ ቃልስን ህንፀት “ኢንስትትዩሽን” ጉዳይ ተገይሩ ክርአ ኣለዎ። ስለዚ ናይ ዘየቋርፅ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ቓልስን ተሳትፎን ዝሓትት እዩ። ካብ ናይ ህዝብና ተሳትፎን ብቑዕ ቓልስን ወፃኢ ብውድብ ወይ ብመንግስቲ ድሌትን ቃልስን ጥራሕ ኣብ ዝበፅሖ ከምዘይብሉ ዝተረደአ ኣከያይዳ ክህሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ እውን ከምታ ኣብታ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝነበረቶ ቁርፀኛ በዓል ዋና ኮይንካ ናይ ምቅላስ ፅንዓት ሕዚ’ውን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ብውዳበታቱ ብሓፈሻ ድማ ብማሕበራቱ ኣቢሉ ኣጠናኺሩ እንተዘይተቓሊሱ ብለመና ሰናይ ምምሕዳር ክረጋገፅ እዩ ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን። ስለዚ እቲ ናይ ሕዚ ተሃድሶ ንቓልሲ ምችው ኩነታት ፈጢሩ ኢና ንብል ዘለና። ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ እውን እቲ ተሃድሶ ወሪድሉ፣ በብጣብይኡ፣ በብቑሸቱ ኮፍ ኢሉ ተመያይጥሉ፣ ውድብ እንታይ ከምዝገምገመት መንግስቲ እንታይ ከምዝገምገመ ናይ ከባቢኡ መሪሕነት እንታይ ከምዝገምገመ እንታይ ከምዝተነቓቐፈ ኩሉ ሪኡዎ ኣሎ።

እቲ ህዝቢ ብወገኑ ኣብ ምቅላስ ዝነበሮ ጥንካረን ጉደለትን ክልዕል ፈቲኑ እዩ። ሕዚ ኩላትና ኢና ክንጣበቕ ዘለና፣ ወድብ እውን፣ መሪሕነትን ካድረን ዘልዐሎ ጉድለት፣ ሓፋሽ እውን ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ቓልሲ ዘልዐሎ ጉድለት፣ መንግስቲ ኮነ ሰራሕተኛ መንግስቲ እውን ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምቅላስ ዝነበሮ ጉድለት ሪኡ እዩ። ኩላትና ናብ ከምዚኣ ዝበለት ቃልስን ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ክንመፅእ ከለና ከምታ ልማድና ውድብና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓደ ግንባር ረቢብና ብእንገብሮ ቓልሲ ዘይንሰግሮ ጉድለት ኣይህሉን። ዘይረጋገፅ ዓወት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ኣይህሉን። ስለዚ ኩሉ ክንገብሮ ዝግበአና ከምታ ናይ ትማሊ ተዋዲደናን ተጣሚርናን ኣብ ንገብሮ ቓልሲ ብዝተዋደደ መንገዲ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ።

ወይን፦ ብምኽንያት መበል 42 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣመልኪቶም ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ኣለም፦ ፈለማ እንኳዕ ኣብፀሐና። ለካቲት እንትነልዕል ሕዚ ድማ ኣብ መበል 42 ዓመት ኮይንና እንትነልዕል 42 ዓመታት ናይ ምውያን፣ ናይ ለውጥን ግስጋሰን፣ 42 ዓመታት ናይ መስተንክር፣ ጀግንነት፣ ፅንዓትን ተዓዋትነትን፣ 42 ዓመታት ምስጋር ማሕለኻታትን ፈተነታትን ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ፣ ኣብ ሰላም፣ ኣብ ልምዓት፣ ናይዚ ኩሉ ፅንዓትን ተዓዋትነትን ምሽጥር መስተንክር ፅንዓት፣ ታሪክ ሰራሓይነትን ጀግንነትን ተዓዋታይነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ። ብቑዕ መስመር ህወሓት፣ ሳይንሳዊ ኣመራርሓ ህወሓት ናይዘን ክልተ ጥምረት እዚአን ምሽጥር እየን። ውድብና ትማሊ ዘይንቕነቑ ዝመስሉ ደምበ ምድሕርሓር ሓምሺሻ፤ ሕዚ እውን ዘይንቕነቕ ዝመስል ዓንኬል ድኽነት ምስባር ጀሚራ ኣላ። ስለዚ እቲ ዘይነፅፍ፣ እቲ ዝነበረን ዘሎን ህዝባዊ ቅልፅም ሕዚ እውን ብዘይብተኽ ካቦ ክጥመር ኣለዎ።

ዓበይቲ ስልጣነታት ዘለዎም ወረርቲ መንግስታት ዘሕፈርና ህዝቢ፣ ንስልጣነ ኣኽሱም መሰረት ዝኾናን ህዝቢ ብድኽነት ድንቁርናን ድሕረትን ፍፁም ክንሓፍር ኣይግባእን፣ የብልናን። እቲ መስተንክር ናይ ትማሊ ጀግንነት ተዓዋትነት ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ፀረ ድኽነት ቓልሲ ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ቃልሲ ክድገም ብቑርፂ ንለዓል። እዚ ንምግባር ኣብ ቅድሜና ዘዐንቅፍ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ብፅንዓት ንመክት። ጉዕዞና ክፈታተንዎ ዝሓልሙ ደንበ ምድሓርሓርን ፀረ ወያነን ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኣለዉ እዮም፤ ብንቕሓት ንቃለስ። ውድብና ህወሓት ዝነበርዎ ጉደለታት ኣሪሙ ህዝቡ ክመርሕ ከምቲ ልማዱ ክምርሽ ተዳልዩ ኣሎ። ካብ ናይ ተሃድሶ ምድላው ምዕራፍ ናብ ዘየቋርፅ ናይ ተሃድሶ ተግባር ምዕራፍ ይሰጋገር ኣሎ። ብሽም መበል 42 ዓመት እዚ ቃል ‘ኪዳንና’ ነሐድስ። ትማሊ ኣይተንበርከኽናን ሎሚ ኮነ ፅባሕ እውን ኣይንብርከኽን፣ ተዓወትቲ ኢና።

ክብርን ሞጐስን ንሰማእታትና!

********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories