ዘይዛሪ … ግን ዘበን ዝሓለፎ ትምክሕቲ ..!

ኣብ ጽልኢን ትምክሕቲን መሰረት ዝገበረ ናይ ፖለቲካ ንሕንሕ ንምኽንያታዊን ርትዓዊን ኣተሓሳስባ ቦታ የብሉን። ፍትሒን ማዕረነትን ኣይናቱን። እንታይ ደኣ ንኹሉ ጨፍሊቕካ ሲዒርካ ናይ ኩሉ ጎብለል ኮይንካ ምውፃእ ዝብል ዘበን ዝሓለፎ ድሑር ኣተሓሳስባን እምነትን ኣልፋን ኦሜጋን ገይሩ ይብገስ። ኣንፃር እዚ ኣተሓሳስባ ጠጠው ዝብል ዝኾነ ሓይሊ ህዝባዊነቱን ፍትሓዊነቱን ብዘየገድስ ቕዝፈት ይፍረዶ። ከምዚ ዓይነት ዝበስበሰ ስነልቦናዊ እምነት ኣብ ዓድና ሓዱሽ’ኳ ተዘይኮነ ኣብዚ ዘበን እዚ ብዝኸፍአ መልክዕ ምቕፃሉ ግን ዘተሓሳስብ እዩ። ንምንታይሲ ምክእኣልን ሓቢርካ ናይ ምንባር ኩነታትን ዝዘርግ ስልዘኾነ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ቑሩብ ዓመታት ኢህወዴግ መሲሉ ውሽጣውሽጢ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ድጉል ሓይሊ ትምክሕቲ ቐስ ብቐስ ናብ ኣደባባይ ወጺኡ ናፍቶም ቑሉዓት ደምበ ትምክሕቲ ብምጽንባር ኸቢድ ዝበሃል ዕንወት ኣብጺሑ ርኢና። እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ኮይኑ ንውሕ ንዝበለ ዓመታት ስልታዊ ቓልሲ ብምግባር ናብ ኒዮ-ኢሃኣፓን-ደርጋዊ ጉጅሌ ተቐይሩ ኣንፃር ህዝቢታት ጠጠው ከምዝበለ ኣመስኪሩ እዩ። እዚ ሓይሊ እቲ ዘሎ ፈደራላዊ ስርዓትን ብሄራዊ ውክልና ዘለዎ ፖለቲካዊ ምስርሕን ንቲ ዝምነዮ ዓብላላይ ፖለቲካ ንምፅዋት ስለዘየኽእሎ ከም ዕንቅፋት ገይሩ ይቕጽሮ ኣሎ። ፌደራላዊ ስርዓት ካብ ክልልካ ንላዕሊ ሓሊፍካ ክትከይድ ኣይፈቅድን፣ ኣብ ማእኸላዊ መንግስቲ እውን ተመጣጣኒ ብሄራዊ ውክልና ዘለዎ መስርሕ ኣሎ፣ ኣብ ኢህወዴግ ዘለዉ ውድባት እውን ከምኡ ተመሳሳሊ። እዚ ዘሎ ስርዓት ክልሉ ንዝጸበቦን ተመጣጣኒ ውክልና ዓርሰ ምምሕዳር ህዝቢታት ንዘይቕበልን ገባቲ ሓይሊ ዓብዪ ዕንቅፋት ገይሩ ክውሰድ ባህሪያዊ እዩ። ብምዃኑ ድማ ንዙይ ስርዓትን ምስርሕን ዝውቅዕ ወይ ድማ ዘነቓንቕ ኩነታት ክፍጠር ናይ ግድን ገይሩ ካብ ዝኣመነ ጸኒሑ ኣሎ።

እንተኾነ ግና እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ንገበቲ ዘየፈናፍን ኮይኑ ተረኺቡ።  እዚ ሓይሊ ትምክሕቲ ሩባ ኣባይ ወይ ድማ ወልቃይት ተሳጊሩ ዝኾነ ክልል ክጎብጥ ከምዘይኽእል ብተግባር ኣረጋጊጹ ስለዝሓደረ ኣብ ኦሮሚያ ናዕቢ ብምጉህሃር ነቲ ዝሓሰቦ ሓጋዛይ ተራ ንኽፃወተሉ ክንዲ ዝከኣሎ ፈቲኑ ነይሩ። ግን ንሱውን ኣይኮነሉን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሓይሊታት ኦሮሞ እውን ኣንፃር ድሌታቱ ዘቕንዐ ድምጺ ተሰሚዑ። ከምቲ ዝፍለጥ ምስኡ ክሞዳመዱ ከምዘይሓገዩ ”ኦሮሚያ ሃገር ትምስረት ኢትዮጵያ በቲንካ እያ” ዝብል መርገጺኦም ኣብ ኣደባባይ ግልጺ ገይሮም። እቲ ዝቐደመ ካብ ኣበየ ስልትኻ ኣመዓራሪኻን ቓልስኻ ምስጓም ተመሪጹ ኣሎ። በዚ መሰረት መንግስታዊ ስልጣንካን ጅምላዊ ጸለመን ተጠቒምካ ነዚ ዘለናሉ ፖለቲካዊ ማዕርነት ዝፈጥረ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ወዱቡን ብዘይ ኣፈላላይ ተነጽሎነት ፈጢርካ ከምዘይልዓል ምውቃዕ ዝብል ኣካይዳ ካብ ዝምረጸ ዝጸንሐ ስልቲ´ኳ እንተኾነ ሎሚ ሎሚ ዓይኑ ኣፍጢጡ ወጺኡ ፍረ ኣፍሪዩ ኣሎ። እዞም ኒዮ-ኢህኣፓዊያንን መሻርኽቶምን ሒዞምዎ ዘለዉ መቃለሲ ስልቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤

ቐዳማይ – ህወሓትን ተጋሩን ዓብሊሎምና ናበልካ ኣብ መሬት ዘየሎ ነገር ብምቕራብ ብሃገር ደረጃ ንህወሓትን ንትጋሩን ብሓፈሽኡ ኣሉታዊ ምስሊ ምትሓዝ ምሽቑራርን። ብኻሊእ ወገን ብብሄር ተዋጽኦን ሕጋዊ መስርሕን ካሊእን ተጠቒምካ ናይ ተጋሩ ሓይሊ እዩ ዝብሉዎ ኩሉ ምድኻም። ኣብ ናይ ፌደራል ተቋማት ዘለዉ ብህወሓት ዝመጽኡን ብሙይኦም ዝተሾሙን ተጋሩ ምርጋፍ።

ካልኣይ – ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ሪሒፆም ሓደርቲ ተጋሩ ኣሸማቒቕካን ውሕስና ኣስኢንካን ካብ ዘዘለዉዎ ናብ ክልሎም ክሃድሙ ምግባር። እዚ ዳሕረዋይ ብሰፊሕ ናይ ጸለመ ፕሮፓጋንዳ ተዓጂቡ ካልኦት ህዝቢታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብሓፈሽኡ ጥርጣረን ጽልኣትን ፈጢርካ እንተተኻኢሉ ከም ናይ ሩዋንዳ ዘርኣዊ ጥፍኣት ምፍጣር ተዘይኮይኑ ድማ ተደፊኡ ንክኸይድ ዝገብር ኣካይዳ እዩ ዝኽተል። ንኣብነት ኣብ ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል፣ ኦሮሚያን ብቐንዱ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበሩ ተጋሩ ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ጎንደር ብዝተወሰነ እውን ኣብ ጎጃም ዕዉት ናይ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ወሲዶም ልዕሊ 20 ሽሕ ንጹሃን ተጋሩ ተፈናቒሎም፣ ብሚኢቲ ዝቑጸሩ ተቐቲሎም፣ ብኣማኢቲ ሚሊዮናት ዝቑጸር ንብረት፣ ጥሪትን ገንዘብን ጠፊኡ፣ ሓታቲን ተሓታቲን ዘይብሉ ተሪፉ ኣሎ። ኣብዚ ዝተገለጸ ጸረ ህዝቢ ምንቅስቓስ ግብጺ ብገንዘባ፣ ኤርትራ ብዜጋታታ (cyber activists & field soldiers based in Addis Ababa and elsewhere) ሙሉእ ዘይጎዶሎ ተሳትፎ ብምግባር ኣብ ጎድኒ እዞም ነባርን ሓደሽቲ ፋሺሽታዊያን አሰሊፈን እየን።

*ክግበር ዘለዎ …

1/ ሓይሊ ትምኽሕቲ ከየሳዕርርን እስካብ መወዳእታ ካብ ምድረ ገጽ ሃገርና ክጥፍእ እንተተደሊዩ ናይ ምጥባር ስራሕ ዘይኮነስ ፌደራል ስርዓትና ብቲ ሕገ መንግስቲ ዝብሎ መሰረት ኣጠናኺርካ ምቕፃል መማረጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዘጋጠመ ነገር እንተሪኢና ህዝቢታት ባዕሎም ዘመሓድሩወን ፌደራላዊ ክልላት ተዘይነብራ ነይረን ከም ሃገር ናይ ምቕፃል ዕድልና ከኽትም ነይሩ እዩ። ስለዚህ ህዝቢታት ኣፍልጦ ተወሃሂቦም ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘይፍንጭሐሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ፈጢርካ ንምቕፃል እንተተደሊዩ ሕገመንግስቲና ተይሸራረፍካ ኣብ መሬት ምውራድን ሓቀኛ ፌደራላዊ ስርዓት ምህናፅን የድሊ። ካብ ደጊም እዚ ፌድራላዊ ስርዓት ከፍርስ ዝደሊ ሓይሊ እንተሃሊዩ እዛ ሃገር ክትብተን ዝደለየ ሓይሊ ጥራይ እዩ። ሎሚ ንትግራይ ዘቕንዐ መጥቃዕቲ ጽባሕ ንእኦም ከም ዘይገድፎም ኩሎም ክልላት ተረዲኦም እዚ ፌደራላዊ ስርዓት እዚ ኣጠናኺሮም ክቕጽልሉን ክሕልዉዎን ምእንታን ደጋጊምካ ምዝኽኻር የድሊ።

2/ ኢህወዴግ ”ግንባር” ዝብል ገዲፉ ንምንታይ ሓደ ውሁድ ውድብ ዘይኸውን ዝብል ካብ ሓይሊታት ትምክሕቲ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ጉዳይ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ብቶም ኒዮ-ኢህኣፓዊያን ድጋፍ ረኺቡ ግልጺ መርገጺ ተታሒዝሉ ኣሎ።  ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ እዚ ዘሎ ብሄራዊ ውክልና ዘለዎ ፌደራላዊ ይኹን ውድባዊ መስርሕ ንቶም ታሪኻዊ ገበቲ ዘይጥዕም ኮይኑ ስለዘተረኸበ ንሶም ብዝሒ ህዝቦምን ሙሁሮምን ተጠቒሞም ኣብዛ ሃገር ዓብላልነቶም ዘረጋግጽሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፈጥሩ እዩ ድሌቶም። እዚ ንምስኻዕ ኢህወዴግ ናብ ውህድ ፓርቲ ምቕያር መማረጺ ዘይብሉ ጉዳይ ገይሮም ይወስዱዎ። ኣንፃር እዚ ሓሳቦም ጠጠው ዝብል ድማ ‹‹ጸቢብ›› ናበሉ የሸማቕቑዎ። ብወገና እዚ እንተተገይሩ ህዝቢታት ሃገርና ዝረኸቡዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ኢዶም መንዚዕኻ ንእሽተይን ዓብዪን ብሄር ናብ ዝብል መሳልል ደርዲርካ ኩለንተንኦም ምክሓድ ማለት እዩ። እዛ ሃገር ቐፃልነታ ተረጋግጽ ቑጽሩ ብዘየገድስ ኩሉ ብሄር ፖለቲካዊ ማዕርነት ተረጋጊጹ ኣብዛ ሃገር ማዕረ ፖለቲካዊ ስብእንኡ ጨቢጡ ኣብ ዝነብር ጥራይ እዩ። ስለዝኾነ ትምክሕተኛታት ሓማሞም ደጊሱውዎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ቕሉዕ ንዕቐትን መጥቃዕቲን ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ኢህወዴግ ናብ ውሁድ ፓርቲ ምቕያር ዓርሰ ቕትለት ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ።

3/ ኣጋር ዝበሃሉ ውድባት ናብ ኢህወዴግ ኣእቲኻ ኣብ ፌዴራል ተቋማት ዘለዎም ውክልና ክብ ብምባል ሙሉእ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ሃገርና ብምግባር ናይዚ ትምክሕቲ ሓይሊ መሓወር ምድኻም ይከኣል እዩ። ብስሩውን ኣጋር ናበልካ ደቂ ወሰንን መምሪሒ ተቐበልቲ ኮይኖም ክነብሩ ፍትሓዊን ርትዓዊን ኣይኮነን። ኣፍቲ መስርዕ ናብ ቅድሚት ምምፅኦም ትርጉም ኣለዎ። ኣብቲ ሕማቕ እዋን ክልላት ሱማሊን ዓፋርን ቤንሻንጉልን ዘርኣዩዎ ህዝባዊነትን ውግንናን ንለባማትን ስትራቴጅካዊ መኣዝን ፖለቲካ ንዝርድኦን ሱቕ ኢልካ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን።

4/ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ክልልካ ብቑጠባን ብሰብ ሓይሊን ሰናይ ምምሕዳርን ሃኒፅካ ነዛ ሃገር ትርጉም ዘለዎ ክልልን ህዝቢን ብምፍጣር ኣብዝኾነ ኩነታት ፖለቲካዊ ናይ ምውጋይ ሓይልኻ ምርግጋፅ ናይ ግድን ይኸውን። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓሪፉ ዘሎ ጽልኣትን ትምክሕትን ምኽንያቱ በዘየገድስ ህዝብና ንጥቕዓት ዘቃልዖ ዘሎ ቐንዲ ጉዳይ ግን ውሽጣዊ ድኽመትና (ብፍላይ ቑጠባዊን ልምሰት መሪሕነትን) ከም ዝኾነ ምርዳእ የድሊ። እዚ ንጽባሕ ዘይበሃል ሎሚ ሱር ነቀል ለውጢ ክግብረሉ ዝግባእ ጉዳይ ስለዝኾነ ውድብን መንግስታዊ ስልጣን ጨቢጥኩም ዘለኹም መራሕቲና ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈለየ ስራሕ ክትሰርሑ ትጽቢት ይግበረኩም።

5/ ህዝቢ ኣሚኑ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ዝለኣኾም ተመረጽቲ እስካብ ሎም መሬት ጠብ ትብል ነገር ከምዘይሰርሑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሽንኳይዶ ብዛዕባ እቲ ብድምጺ ዘይወክሉዎ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካሊእን ዝርከብ ትግራዋይ ክዛረቡሉ እቲ ዝወከሉዎ ህዝቦም ብማይ፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፍትሒ፣ ድርቂ፣ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝኾነ ኩነታትን ናይ ጸጥታን ሽግርን፣ ፖለቲካዊ ነፃነትን ሽግራት ብሰፊሑ እንትሳቐ ሪኦም ከምዘይረኣዩ፣ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ሱቕ ኢልካ ምኻድ ልሙድ እዩ። እቲ ዘሕዝን ድማ ካልኣይ ሳልሳይን ክምረጹ ተመሊሶም ይመጽእዎ። ህዝቢ ውክልናና ኣልዒልና ኢና፣ ደጊም ወከልትና ኣይኮንኩምን ዝበሎም ሰባት እውን እስካብ ሀዚ ብሓይሎም ኣብ ቤት ምኽሪ ኮፍ ኢሎም ከምዘለዉ´ውን ይፍለጥ። ኣቤት ንዕቐት …! እዚ ኩነታት ናይ ግድን ክቕየር ኣለዎ። ተመሪጹ ንህዝቡ እንድሕር ዘየገልን ሕቶ ህዝቡ ዘይምልስን ካብቲ ክብር ወንበር ክለዓል ኣለዎ።

መዛዛሚ – የሕርነና እምበር ኣየምበርክኸናን …!

እዚ ጽሑፍ ዘቕረባኖዮ ተስፋ ካብ ምቑራጽ ዘይኮነስ ካብ ምሕራንን ዘይተንበርካኺነትን ዝፍልፍል ምዃኑ ግልጺ ክኸውን ይግብእ። ኣንበብቲ እውን ጸልመትመት እንተይበለኩም ብሕራነ ንመሰል ህዝብኹም ጠጠው ክትብሉ ንምዝኽኻር እዩ። እዛ ሃገር ቐፃልነታ ንምውሓስ ምሩፃት ደቁን ኩለንተንኡን ከፊሉ ታሪኽ ዝቐየረ ህዝቢ ብኹርዓትን ትሕትናን ንዛላቒ ረብሕኡ ይቃለስ እምበር ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ዘሸቑርር ምኽንያት የብሉን። ከምኡ ስለዝኾነ ህዝቢና ትኽክለኛ ታሪኹን ምስሉን ከይጽየቕ ብርዒና ነብልሕ፣ ካብ ትምክሕቲን ስሚዒትን ነፃ ኮይና ድማ ንመሰልናን መሰል ህዝቢናን ብሕብረት ክንቃለስ ከምዘለና ንምዝኽኻር እዩ።

ህዝቢ ትግራይ እውን ከምቲ ሕሉፍ ካብዛ ዝሓለፈት ዓመት ብዙሕ ከምተምሃረ ጥርጥር የብሉን። ሓደ ነገር እርግጸኛ ኢና – ቐደም ኣፍቲ ሙሁርን ሃፍታምን ኣብ ዘይነበረና ክፉእ ዘበንኳ ንህወሓት ዝመስል ጠንካራ ተቐቃላሳይ ሕይሊ ዝፈጠረ ህዝቢ ሎሚ ምስ ኩሉ ንቕሓቱን ሙሁሩን ሰብ ሃፍቱን ክንብርከኽ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። ሎሚ ትግራይ ዓርሰ እምነት ዘለዎን ብፍልጠት ዝተሃንጸን ዕድልውን እንተረኺቡ ሃገር ክቕይር ዝኽእል ዓቕሚን ክእለትን ህዝባዊነትን ዘለዎ ሙሁር ወለዶ ኣለዋ። ብሓፈሽኡ ፃዕራምን ተበላሓታይን ብዝኾነ እዋናዊ ኩነታት ዘይስኮን ህዝቢ እዩ ዘለዋ። እዚ ዝመስል ህዝቢ ሒዝካ መኣዝን እስካብ ዝጠፍአካ ሰንከልከል ምባል ቕቡል ኣይኮነን።

ዘይምዕዳል ኮይኑ እስካብ ሀዚ እቶም ኩለንተንኡ ዝሃቦም ደቁ ውልቃዊነትን ናብራ ከተማን ሲዒሩዎም (ኩሎምኳ ተዘይኮኑ) ናይ ገዛ ዕዮኦም ብኣጋባቡ ክሰርሑ ዘይምኽኣሎም ናሕዘነናስ ህዝብና ክልተ ኢዱ ሒዝካ ክተውቅዖ ብዝኾነ ኣገባብ ቕቡል ኣይኮነን። ነዚ ሕማቕ ኣካይዳ መራሕትና ዓገብ ዝብል፣ ንዞም ኒዮ-ኢህኣፓዊያንን መሻርኽቶምን´ውን ርእሲ ዘድንን ወለዶ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ምርዳእ የድሊ። እዚ ወረጃ ህዝቢ እዚ እስካብ ሀዚ ውድብ ክዕረየሉ እምበር ክቕየረሉ´ኳ ኣይሓተተን ነይሩ። ኩሉ መወዳእታ ከምዘለዎ ግን ምግንዛብ ይግባእ። ”ጨው ንርእስኻ ክትብል መቅር ተዘይኮይኑ ግን እምኒ እዩ ኢሎም ክድርቢዩኻ እዮም” ብምባል ምኽሪና ንዛዝም።

ክብሪን ሞገስን ንሰማእታትና!

**********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories