ጉዳይ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምውሓስ

ዘላቒ ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪተ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ፌስቡክን ኣብ ድህረ ገጻትን ብሓፂርን ብነዊሕን ደጋጊመ ጽሒፈ ሓሳበይ ከካፍል ፈቲነ እየ። እታ ደጋጊመ ዝጽሕፋ ተተሓሳስበኒ ጉዳይ ብሓጺሩ ከምቲ ዝስዕብ ትጠቓለል:

’’እዚ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ናይ ስትራቴጂ ሕቶ እዩ። ህዝብና ዘላቒ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ውሕስንኡ እስካብ ዘይተረጋገጸ ካብ ውሽጣዊን ግዳማዊን ጥቕዓት ክድሕን ኣይኽእልን። ስለዚህ እቶም ቐንዲ ንጥቕዓት ዘቃልዑና ዘለዉ ውሽጣዊ ድኽመታትና ሱር ነቀል ለውጢ ክነምፅአሎም ምእንታን ክኽፈል ዘለዎ ኩሉ ምኽፋል ግድን እዩ። ብኢንዳስትሪን ዘበናዊ ሕርሻን ዝማዕበለት፣ ድኽነት ብወሳናይ መልክዑ ዝቐነሰት፣ ብትምህርቲን ሙሁርን ዝተሃንፀትን ንሃገር ዝጠቅም ሳይንሳዊ ኣስተዋፅኦ ትገብር ትርጉም ዘለዋ ክልል ኣብ ትፍጠር ኣብ ሃገርና ዝህልወና ናይ ፖለቲካ ምውጋይ ሓይልና ዝለዓለ ይኸውን። ብኻሊእ ኣባህላ መፃኢ ዕድል ህዝብና ብዋናነት ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ይድረኽ። ብሓጺሩ ትግራይ ናይዛ ሃገር ቁጠባዊ ማእከል ገይርካ ካልኦት ዝደፍሩዋ ዘይኮነስ ዝመንይዋ ክልል ምፍጣር ዘላቒ ውሕስናና ንምርግጋፅ መማረጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። እዚ ንምግሃድ ድማ እንተነኣሰ ናይ መፃኢ ሓደ ወለዶ ተሳጊሩ ዝሓስብን ብግብሪ ዝሰርሕን ራኢይ ዘለዎ መሪሕነት የድሊ’’ ትብል።

ንዙይ ቕዱስን ናይ ዝኾነ ህዝቢን ክልልን ረብሓ ዘይፃባእ ሓሳብ ዝድግፉዎ ብዙሓት’ኳ እንተሃለዉ ተጋሩ ኮይኖም ዝቃወሙዎ እውን ኣይጠፍኡን። እቶም ዝቃወሙ ዝህቡዎ ምኽንያት ድማ ካብ ትግራይ ወጺእና ብሃገር ብርኪ ንሕሰብ ዝብል እዩ። ብኻሊእ ኣባህላ ንትግራይ ጥራይ ናበልኩም ’’ኣይትጽበቡ’’ እዩ። ክሲ ኢሳትን..…! ተቓውሞኡ ኣይምኸፍአን ነይሩ። ግን ኣብ ርትዓዊ ስነ መጎትን ዑምቀት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ርደኢትን ዘይተደረኸ ስለዝኾነ ኣብዚ ጉዳይ ዘለና ኣፈላላይ ንምፅባብ ብምሕሳብ እታ ጉዳይ ምጥጥ ኣቢለ ከም ዝስዕብ የቕርብ ኣለኹ እሞ ኣንቢብኩም ዝመሰለኩም ሪኢቶ ክትህቡ ይዕድም።

እምበርኣከስ ጉዳይና ጉዳይ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምውሓስ ዝምልከት እዩ። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክንብል እንተለና ህዝብና ካብ እቲ ዘለዎ ሕሱም ድኽነት፣ ልመና፣ ካብ ረድኤት ምንባር፣ ስእነት ጽሩይ ማይ፣ ኣብ ዳስ ምምሃር፣ ስደት፣ ስእነት ስራሕ፣ ናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቑጠባዊ ተነጽሎን ኣብ ካልኦት ክልላት ዝወርዶ ዘሎ ምጉናይን ወጺኡ ካውኡ ሓሊፉ ድማ እቶም ዝተቓለሰሎም ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ክረክብ ገይርካ ዘተኣማን ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ቑመና ዘለዎ ክልልን ህዝቢ ምፍጣር ማለት እዩ። እዚ ምስ ረብሓ ካልኦት ክልላት ይኹን ሃገራዊነትን ፈጺሙ ዘይፃረር ረብሓባ ሃገርና ገይርካ ክወሰድ ዘለዎ እዩ።

ናይ ኢትዮጵያ ዕቤት ከም ሃገር ናይ ትግራይ’ውን ዕቤት እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ዕቤት እንትልካዕ’ውን ድምር ናይተን ክልላት ዕቤት ስለዝኾነ ንቲ ሃገር ብሓፈሽኡ ትርጉም ኣለዎ። ትርጉሙ ግን ካብ ጸብፃብ ዝሓለፈ ኣብ ኩሎም ክልላት ዝነብሩ ህዝቢታት ማዕረ ተጠቀማይነት ዘረጋግጽ እንትኸውን ጥራይ እዩ። ሓደ ዓዲ ቑጠባዊ ዕቤት ከምጽእ ኸሎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኩሎም ናይታ ሃገር ክልላት ሓደ ዓይነት ዕቤት ኣይህሉዎምን። ንኣብነት ገሊኡ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶ (ምሕማቕን ምፅባቕን ) ናይቲ ክልል ከም ምኽንያት ዝውሰድ  ክኸውን እንተሎ እቲ ዝበዝሕ ምኽንያት ግን ኣብዛ ሃገር ዝህሉ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኩነታት እዩ። ብኻሊእ ኣባህላ ንገለ ኸባቢታት ናይ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ተነፃሎነት (ምግላል) ስለዝግበር እዩ።

ኣብ ምዕሩይ ፖለቲካዊ ስርዓት ዘየረጋገጹ ሃገራት ድማ ዝተዋህለለ ሃፍቲ ንቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ኹሉ ማዕረ ስለዘይብፅሖ ኣብ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ጎንጺ ከም ዘስዕብ ንሃገርና ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተርኣየን ሀዚውን ዝርአ ዘሎን እዩ። እቲ ውሩይ ሙሁር ገበረሂወት ባይከዳኝ ’’ህዝቢ ኢትዮጵያ ጠምዩን ዓሪቑን ዝነብረላ ሃገር ሃገረይ ኢሉ ንክቕበላ ስለዘጸግመሉ ኣብ ውሑዳት ዘሎ መሬት ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንህዝቢ ይከፋፈል’’ ብምባል ተቐባልነት ዘይረኸበ ማዕድኡ ንሃፀይ ምኒሊክ ከም ዘቕረበ ይዝከር። እዚ እንታይ እዩ ዘርኢየና? እቲ ዝጽብጸብ ሃፍቲ/ዕቤት ብዓል ዋና ወይ ድማ ተኻፋሊ ምዃን ወሳኒ ከም ዝኾነ የረድኣና። እዙይ ኣብ ዘይተፈጸመሉ ኩነታት ግን ህዝቢታት ብዝተፈላለየ መገዲ (ብሰላማዊን ብዘይሰላማዊን) ሕቶ ምቕርቦም ዘይተርፍ ይኸውን።

ንኣብነት ቼኮዝላቫኪያ ነበር ኣብ ክልተ ሃገር (ቼክ ሪፓብሊክን ስሎቫኪያን) ዝተመቐለትሉ ምኽንያት ስሎቫኪያ ክፍለ ሃገር ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ተነጽሎነት ስለዝብፅሓ ናይቲ ክልል ህዝቢ ብድኽነት ቖርመድመድ ስለዝበለ ናይ ቼኮዝላቫኪያ ቑጠባዊ ዕቤት ኣይንታየን ብምባል ንምንፃል ወሲኑ። ብሪፈረንደም ድማ ኣብ ቕድሚ ዓለም ክልሉ ናብ ሃገር ንኽትቕየር ስለ ዘድመጸ ሎሚ ክልተ ሃገር ኮይነን ኣለዋ። ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘሎ ሃፍቲ ንታ ሃገር ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ዘመደባ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን እዚ ሃፍቲ ናይ ውሑዳት ስለዝኾነ ሎሚ’ውን ደቡብ ኣፍሪካዊያን ኣብ ቑጠባዊ ኣፓርታይድ ይነብሩ ኣለዉ። ደቡብ ኣፍሪካ ከም ሃገር ሃፍታም እያ ግን እዚ ንፀለምቲ ዜጋታት እታ ሃገር እንታዮም ኮይኑ?! እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝረኸቦ ነገር እንተሃሊዩ ፃዓዱ መራሕቲ በጸለምቲ ምቕያሩ፣ ብሄራዊ መዝሙርን ተዛማዲ ሰላምን ምርካቡን እዩ።

ናይ ዳርፉር ግጭት ዋላ ግዳማዊ ተወሳኺ ምኽንያት እንተሃለዎ እቲ ቐንዲ መበገሲኡ ግን ህዝቢ ዳርፉር ካብ ናይ ሱዳን ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ምግላል እዩ ነይሩ። ካብኡ ሓሊፉውን ደቂ ዳርፉር ናብ ርእሰ ኸተማ ሃገሮም ዝኾነት ካርቱም ስራሕን ካሊእ ዕድልን ሃሰው ክብሉ ኣብ ዝመጽእሉ እዋን ከም ዘይሕጋዊ ስደተኛ ናተርኣዩ ይእሰሩን ይጥረዙን ነይሮም። እዚ ሓደ ዓማፂ ኢሉ ኢሉ’ውን  ልዕሊ ሓሙሽተ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሓይሊታ ፈጢሩ ምስ መንግስቲ ካርቱም ኣብ ብረታዊ ጎንጺ ኣቲዮምስ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝኾኑ ተፈናቒሎም፣ ተቐቲሎም፣ ብጥሜት ተወዲኦምስ ፕሬዚደንት ኣልበሽር እውን ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

ብተመሳሳሊ ወነንቲ እቲ ግኑን ታሪኽ ግብጺ ዝኾኑ ጥንታዊያን ደቂ ኑቢያ ካብ ኣብ መወዳአታ 18 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ካብ መረበቶም ብምፍንቓል ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ተነፅሎ ገጢሙዎም ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ይነብሩ ኣለዉ። ግብጺ ከም ሃገር ሃፍታም ሃገር እያ ግን እዚ ንደቂ ኑቢያ እንታዮም ኮይኑ?! ብሩሕቕ ዝርኢዎ ሃፍቲ እዩ።  

ዜና ቑጠባዊ ዕቤት ዝዓብለሎ ጉዳይ ቻይና እውን ክነልዕል ጠቓሚ እዩ። ሃገረ ቻይና ተኣምር ዘበለ ቑጠባዊ ዕቤት ኣርኢያ እያ። እንተኾነ ግን ብትሕተ ቕርጺን ኹለመደያዊ ዕቤትን ዘርኣዩ ኸባታት እቶም ብኢንዱስትሪ ዝተቐየሩ ሪጅናት ጥራይ ብምዃኖም ኩሎም ክፍላተሃገራታ ሓደ ዓይነት ዕቤት የብሎምን። እቲ ዘይተመጣጠነ ዕቤት ንሚሊዮናት ቻይናዊያን ስራሕ ፈጢሩሎም፣ ንሚሊዮናት ውሽጣዊ ስደትን ምፍንቓልን ኣስዒቡ፣ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ዝነብሩ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብሄራት ድማ ኣኾሪዩ ናይ ምንፃል ሕቶ ዘልዓልሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ንምንታይሲ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ስለዘየለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝደለኻዮ ክፍለ ሃገር ተዘዋዊርካ ናይ ምንባር መሰል እውን ሆኩ (Hoku) ብዝበሃል ናይ መንበሪ ፈቓድ ኣወሳሲቦምሉ ኣብ መረረት ዝነብር ህዝቢ ቐሊል ኣይኮነን። ሎሚ ሎሚ ሳላ ናይ ሙሁራትን ካብ ህዝቢ ዝመጽእ ጸቕጥን ስለዝበዝሖ ማእኸላይ መንግስቲ ቻይና ዝተወሰነ መጠን ሃፍቲ እታ ሃገር ናብ ካልኦት ክልላት ናይ ምውፋር ፈተነታት ይገብር ጀሚሩ ኣሎ። ከምዚ ናበልና ናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ ምልዓል ይከኣል እዩ። እሞ ግን ካብዚ እንታይ ንመሃር? 

ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ኢትዮጵያ መሰል ዓርሰ ውሳነ እስካብ ምንፃል ዝኣወጃ ውሽጣዊ ልኣላዊነት ዘለዎም ህዝብታት ዝውንኑውን ክልላት ዝሓዘት ሃገር እያ። እዚ ማለት እዘን ክልላት ኣብ ገባቲ ስርዓት ወዲቐን ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ተነጽሎ እንተገጢሙወን ኣብዛ ናይ ሓባር ሃገር ዝቕፅላሉ ምኽንያት ኣይክህሉን፣ ኣንቀጽ 39 ድማ ምጥቃመን ዘይተርፍ ይኸውን። እዙይ ከየጋጥም እዛ ሃገር ምዕሩይ ፖለቲካዊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነስ ብዝተኽኣለ መጠን ዝተመጣጠነ ልምዓት ዘለወን ክልላት ንክፍጠራ ዝገብር ስርዓተ ፌደራል መንግስቲ ምህላው ግድን ይኸውን። እዚ ዝኸውን ክልላት ከም ሃገረን ብዝምደበለን ባጀት ናተንቀሳቐሳ ፌደራል መንግስቲ ዝውንኖም ናይ ልምዓት ንጥፈታት እውን ኣብ ክፍፍል ፍትሓዊነት ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

ኣብ ሃገርና ሃፍቲ ናይ ምክፍፋል ሓላፍ ዘላፍ ካብ ብሀዚኡ ይርአ ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት ካብ እንዳ ስላሴ ናብ ሑመራ ዘለዎ ቑጠባዊ ረብሓ ዝዓዘዘ እንዳሃለወ፣ ካብ ባህርዳር ናብ ፍኖተሰላም መስመር ባቡር ምዝርጋሑ ብቑጠባዊን ረብሕኡ ዘይትኽክል፣ ፖለቲካዊ ውሳንኡ ዘይቅኑዕ፣ ብሃፍቲ ክፍፍል ዘይፍትሓዊ እዩ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሑመራ ኸባቢኡን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ሄክታር ብምሕራስ ንዛ ሃገር ዝዓበየ ኣታዊ ዘምጸአላ ዘሎ ሰሊጥ ዝፍሪዩ ሓረስቶት ብኣፅብዕቲ ዝቑጸር ሚሊዮን ልቓሕ እንትኽልኡ ኣብ ካሊእ ክልል ግን ንሓደው ውልቀ ሰብ እስካብ ሽዱስተ ቢሊዮን ዝበጽሕ ገንዘብ ከምተፈቐደሉ ይንገር (እቲ መጠን ብሰነድ ኣይተፃረየን)። ኣብ GTP-2 እውን ንትግራይ ዝግለሉ ፕሮጀክትታት ከምዘለዉ ብዙሕ ተፃሒፉ ኣንቢብና ኢና።

ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ናይ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሃገር ሙሉእ ሓላፍነት ተሰከምቲ ኮይኖም ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ከምዝነብሩ ናተፈለጠ ፌደራል መንግስቲ ዝገበሮ ነገር የለን። እንተነኣሰ ነዚ ናይ ሙሉእ ሃገር ሃላፍነት ተሰካሚ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ናይ ሻዕቢያ ተፃብኦን ቐፃሊ ናይ ጸጥታ ሽግርን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ፃውርኡ ሙሉ ኢትዮጵያ ንኽርዳእ ገይርካ ካሊእ ናይ ልምዓት መማረጺ ከቕርበሉ ምተገብአ ነይሩ። ብሓጺሩ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ትግራይ እዙይ እዩ ዝበሃል ናይ ልምዓት ምንቅስቓሳት የብሉን እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን።

እሞ ንምንታይ ኢና ትግራይ ቢንዱስትሪን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሃንጺና ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ክንፈጥር ናይ ግድን እዩ ንብል ዘለና? ግልጺ ንምግባር፡

ትግራይ ካብ ካልኦት ክልላት መንጢልካ ንበይና ዝበለጸት ንምግባር ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ካፍቲ ዘለኣለማዊ ኮይኑዎ ዘሎ ድኽነት፣ ልመና፣ ደራዕ፣ ምጉናይን ትሕተ ልምዓትን ወጺኡ ዝዓበየ ቑጠባ እንትውንን ንዛ ሃገር (ኢትዮጵያ)ትርጉም ዘለዎ ፍልፍል ቑጠባን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣስትዋጽኦ እንትገብርን ጥራይ እዩ ኣብዛ ናይ ሓባር ሃገር ፖለቲካ ናይ ምውጋይ ዓቕሚ ዝለዓለን ተሰማዒን ኮይኑ ዝቕጽል። እዚ ኣብ ዘይተዓወተሉ ኩነታት ዕፃ ህዝብና ግልጺ እዩ። ርሑቕ እንተይከድና ኣፍቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ተነጽሎ ኣጋጢሙና ኣደዳ ሓሳርን መከራን ኮይና ሓሊፍናዮስ ሎሚውን ካብ ሕሱም ድኽነት ስለ ዘይወፃእናን ምዕሩይ ስርዓት (ሰናይ ምምሕዳር) ስለዘይብልናን ኣዚዩ ዝብዝሕ ድኻን እቲ ዝርካቡ ሃፍታም ትግራዋይን ካብ ክልሎም ወጺኦም ኣብ ካልኦት ክልላት ሰሪሖም ዝነብርሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ፀላእቱ ይብዝሑ ይውሓዱ ብዘየገድስ እዚ ብሕማቕ ተራኢዩ ትግራዋይ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኩነታት ኢና ርኢና። ቕድም ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዘለናሉ እዋንውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ትግራዋይ ዘጋጠሞ ሽግር ንኹሉ ግልጺ እዩ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ትግራይ ለሚዓ ቑጠባዊ ሚዛን ዝደፍአትን ድኽነት ዘናገፈ ህዝቢ እንተዝህልዋ ከጥቅዕዎ ዘይኮነስ ንንግዲን ሓቢርካ ንምስራሕን ዝደሊዩዎ ከምዝበዝሑ ጥርጥር የብሉን። ኣብ ሃገረ ህንድ ፑንጃብ ክልል ዝነብሩ ብሄረ ፑንጃቢ (Sikh) ዝተብሃሉ ህዝቢ ኣፍታ ሃገር ናይ ነዊሕ ዘበን ዘኹርዕ ታሪኽ ወነንቲ ክንሶም ኣብ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ላዕሊን ታሕቲን ክብሉ ብዙሕ መክራ ሪኦም እዮም። ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ብምምሃር ግን እታ ብድኽነትን ግጭትን ትፍለጥ ዝነበረት ፑንጃብ ዝተብሃለት ክልሎም ናብ ኢንዱስትሪን ሕርሻን ብምቕያር ፍልፍል እንጀራ ሃገረ ህንዲ (“Granary of India” ወይ ድማ “India’s bread-basket”) ክትበሃል ኣብቂዖምዋስ ህዝባውን ኣብ መላእ ህንዲ እቶም ዝሃፍተሙን ወነንቲ ንብረት ኮይኖም ብሰለም ይነብሩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ፖለቲካ እዛ ሃገር ዝለዓለ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ንምዃን በቒዖም ኣለዉ። ብኣንፃሩ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ህንዲ ዝነብሩ ህዝቢታት ግን ሎሚውን ኣያ ዝኾኖም ሲኢኖም ዳርጋ ደቂ ወሰን ኮይኖም ኣብ ሕሱም ድኽነትን ብዝበዛን ይነብሩ ኣለዉ።

ስለዚህ ናይ ሓደ ክልልን ህዝቢን ቑጠባዊ ዕቤት ኣብ ፖለቲካዊ ሂወቶም ወሳኒ ተራ ይፃወት እዩ። ህዝቢ ትግራይውን ካብቲ ዘለዉ ዘሰክፍ ድኽነትን፣ ምጉናይን ጥቕዓት ነፃ ወጺኡ ከም ክልል ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት እውን ተፅዕኖ ፈጣሪ ኮይኑ ክቕጽል እንድሕር ተደሊዩ ጠንካራ ዝበሃል ቑጠባ ብምህናፅን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተዓጠቐ ናይ ሰብ ሓይሊ ብምፍራይን ንዛ ናይ ሓባር ሃገር ትርጉም ዘለዎ ኣስትዋጽኦ ዝገብር እንተኾይኑ ዘርኡ ንምጥፋእ ዝደሊዩ ናወሓዱ ንንግዲ ዝደሊዩዎ ድማ ናሰሰኑ ምኻዶም ኣይተርፍን። እዚ ምስ ዝሳኻዕ ብዝሒ ህዝቢ ትግራይ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊን መስርሕ’ውን ናይ ምውጋይ ሓይሉ ዝለዓለ ይኸውን።

እምበኣርከስ ዘላቒ ውሓስና ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገጽ ብቑጠባዊ ሓይሊን ኩለ መደያዊ ልምዓትን ዝመጽእ ፖለቲካዊ ቑመና ኣብ ዝህነፅ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ እቲ ከም ሃገርና ዝወሃበና በጀት፣ ካብ ፌደራል ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ብምጥላብን ናይ ውሽጥን ደገን ሰብ ሃፍቲን ብምትብባዕን ክልልና እንትንሃንፃ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። ኩለን ክልላት ከምኡ እንትገብራ ድማ ናይ መላእ ሃገር ዕቤት ይርጋገጽ። ንዙይ ኢና እምበር ንዛረብ ዘለና።

ንቶም ዘሸቑርር ታሪኽ ዘይብሎም ዝተሸቑረሩ ውሑዳት ’’ሃገራዊያን’’

እቶም ፀበብቲ ዘይምዃኖም ንኸሰስቶም ንምርግጋፅ ከም ሃገር እምበር ከም ትግራይ ኣይትሕሰቡ ዝብሉና ዘለዉ ውሑዳት ተጋሩ ትግራይ ትልማዕ ኣይትልምዕ ብዘየገድስ ኦሮሚያ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምሓራን፣ ደቡብን ብልምዓት ይውንጨፉ ስለዘለዉስ እዚ ከም ናይ ሃገርና ዕቤት ተወሲዱ ናይ ትግራይ ጉዳይ ዘተሓሳብ ኣይኮነን ዘስምዕ ስነ ሞገት ርትዓዊ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ግንዛበ ጭቡጥ ነባራዊ ኩነታትናን ርድኢት ውስብስብነት ፖለቲካን ዝጎደሎ እዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ናይ ካልኦት ክልላት ልምዓት ኣይኮነን ባዕሉ ትግራዋይ ከይዱ ዘፍረዮ’ኳ ዘሪፎምዎ፣ ኣቃቅጺሎምሉ፣ ቐቲሎምዎን ንሰደት ዳሪጎምዎን እዮም። እቲ ዝፈረዮን ዝሃንጾን ኣብ ትግራይ እንተትኸውን ዶ እዚ መገጠሞ ነይሩ? መን’ሞ ምስገጠሞ!

ሃገራዊነት ምሕላን እወንታዊ ኮይኑ ብኹሉ መዳይ ናብ ወሰን (Periphery) ዝተደፋእኻሉ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ስርዓት እንትርከብ ግን ኣፍታ ሃገር ዝምዝገብ ቑጠባዊ ዕቤት እንታይና ይኸውን? ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪካዊያንን ግብፃዊያን ናራኣናዮ ዘይንርብሐሉ ሃፍቲ እንዲዩ ዝኾነና። እምበኣርከስ ሃገራዊነት ቕቡል ዝኸውን ማዕረ ትርበሐሉ ሃገር እንትህልወካ ጥራይ እዩ። እዚ ንምርግጋጽ ድማ ናይ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ምዕባይ ምጽባይ ዘይኮነስ ኣፍታ ሃገር ዘሎ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ፍትሓዊ ክኸውን ብምጥላብን ዝግበአካ ልምዓት ብምርካብን ክልልካ ኣዕቢኻ ህዝብኻ ካብ ዘሕፍር ደኽነት ልመና፣ ምጉናይን ጥቕዓትን ኣውጺእኻ ማዕሮ ካልኦት ጠጠው ምስ እትብል ጥራይ እዩ።

ካልኦት ክልላትውን ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ናይ ኢትዮጵያ ዕቤት ኮፍ ኢለን ዝጸበያሉ ዘይኮነስ ክልለን ኣልሚዐን ምስ ናይ ካልኦት ክልላት ተደሚሩ ኣቕሚ ሃገር እውን ክብ ዝብለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ እሞ እቲ ’ዘላቒ ውሕስና ህዝቢ ትግራይ’ ናበልኩ ደጋጊመ ዝጽሕፎ ጉዳይ ናይ ካልኦት ክልላት ብምግባትን በይንኻ ምልማዕን ዝጠልብ ዘይኮነስ ከም ካለኦት ክልላት እዛ ሃገር ዘፍረየቶ ሃፍቲ ማዕረ ተካፈልቲ ኮይና ክልልና ኣልሚዕና ህዝብና ካፍቲ ዘለዎ ዘሰክፍ ኩነታት ሓራ ወጺኡ ብሰላምን ምዕርነትን ተኸቢሩን ዝነብረላ ናይ ሓባር ሃገር ንኽትህሉዎ ካብ ዘለኒ ባህጊ ጥራይ እዩ። ስለዝኾነ ህዝብናን ክልልናን ካብ ቑጠባዊ ዓቅሚን ኩለመደያዊ ልምዓትን ዝፍልፍል ብቑዕ ፖለቲካዊ ቑመና ምህላው ንዘላቕነትና ወሳናይ እዩ። ስለዚህ ብዙይ መንፈስ ንኽትርድእዎ ይላቦ።

ኽብሪን መጎስን ንቶም ዘይትትካእ ሂወቶም ዝገበሩ ጀጋኑና፣ ዕንወት ንዚ ኽቡር መስዋእቲን ታሪኽን ዝጠለሙ ሕማቓት።

*************

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories