ቑሩብ ብዛዕባ ፀቢብነት ትምክሕትን እርኑብ-ሃገራውነትን

(ነብዩ ስሑል ሚካኤል)

ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝብሉ ቃላት ኣብ ፖለቲካ ሀገርና ንዘለዉ ኽልተ ተፃባእቲ ሓይልታት ወኪሎም ብዕሊ ክስምዑ ካብ ዝጅምሩ ቐለልቲ ዘይበሃሉ ዓማውቲ ሓሊፎም ኣለዉ፡፡ እዞም ሓይልታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝፃብእዎ ሓደ ቓንጃ ሓይሊ ኣሎ፡፡ ዘይምዕዳል ኾይኑ እዚ ቓንጃ ሓይሊ ንባዕሉ ዕላዊ ሽም የብሉን፤ ንግዚኡ ዋላ እንተኾነ ግና “ሓይሊ-ትግራይ” ዝብል ስመ ክርስትና ኣውፂእናሉ ነቶም ኽልተ ስዩማንን ዕሉላትን ሓይልታት ብዝተወሰነ መልክዑ ብምትንታን ኣብ ዋሕዚ እቲ ፈለገ-ሓሳብ ሓቢርና ንፅናሕ፡፡ 

ጥቕልል ብዝበለ ንምጅማር ዝኣክል፤ እቶም ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝብሉ ቃላት ብዋናነት ብዛዕባ ሃገርን ሃገራውነትን ዝምልከቱ ኾይኖም ሐዚ’ውን ዘይምዕዳል ኾይኑ ኽልቲኦም ብዛዕብ እቲ ዝምልከትዎ ጥንሰ-ሓሳብ ጉጉይ ኣረዳድኣን መደምደምታን ኣለዎም፡፡ ካብኡ ብዝገደደ ኣጋጣሚ ድማ ኽልቲኦም ናይቲ ጉጉይ ኣረኣእያ ተቓረንትን ተረሓሓቕትን ወሰናት እዮም፡፡

ካብዚ ንፅረተ-ሓሳብ ብተቓራኒ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ-ሓደ ሰብአ-ስልጣናት እቲ ‘ፀቢብነት’ ዝብል ቃል ቕጥዐ-ሰበር ብዝኾነ ኣጠቓቕማ ንኻልኦት ሓይልታትን ኣተሓሳስባታትን ንምግላፅ ኣብ ስራሕ እንተውዕልዎ ይረአ ኣሎ፡፡ ብርግፅ፣ እቲ ቃል ንኻልኦት ብዝሕ ዝበሉ ሓይልታት’ውን ናይ ምግላፅ ወድዓዊ ዓቕሚ እንተሃለዎ’ኳ ነቲ ቕድም ኢልና ሓይሊ-ትግራይ በምባል ዝሰመናዮ ሓይሊ ንምግላፅ እንትፍትን ረዚን ዝኾነ ተቓውሞ እንተጓንፎ ተዓዚብና ኣለና፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ሓይሊ ብትኽክል ክገልፅ ዝኽእል ስያመ ኸም ዘድልየና ኣግሂዱልና ሓሊፉ እዩ፡፡ 

በዚ መሰረት ድማ እቶም ፀቢብነትን ትምክሕትን ዝብሉ ቃላት (ኸምቲ ዝጀመርናዮ) ቐዲምና ኣድማዕነት ብዘለዎ ወሰነ ትርጉም ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ሓይሊ-ትግራይ ዝበልናዮ’ውን (ኸም ሃገሩ) ክገልፆ ዝኽእል ስያመ ክንረኽበሉ ንፈትን፡፡ 

ጨለ እንተልኹም . . . ብፀቢብነት ንጀምር፤ ፀቢብነት ሰለስተ ብርክታት ኣለዉዎ፡፡ ኹሎም ብርክታት ሓደ ዝገብሮም ነገር እንተሃለወ ነቲ ንሳቶም ናትና ዝብልዎ ኸባብን ህዝብን ጥራሕ ዝሓስቡ ምዃኖም እንትኾን፤ ዘፈላልይዎም ባእታታት ንምርካብ ድማ ነቲ ቐፂሉ ዘሎ ትንቱን ወሰነ ትርጉም ንርአ፤ 

3ይ ብርኪ ፀቢብነት፡-

እዚ ብርኪ ፀቢብነት፤ ካብቶም ሲዕቦም ዝተቐመጡ ብርክታት ብሓደገኛነቱ ዝሐሸ ኾይኑ፤ ኢትዮጵያ ንእትበሃ ሃገር ኸም ሃገርን ሃገሩን ዝቕበል ዋላ’ኳ እንተኾነ ንዋኒናታን ልምዓታን ግና ግዲ ዘይብሉ እዩ፡፡ ብዕኡ ምትክእ ድማ ነቲ ናተይ ዝብሎ ኸባብን ህዝብን ሕልፍን-ትርፍን ዝሓስብን ብግምት ካብቶም ኻልኦት ብቑፅሪ ብዝሕ ክብል ዝኽእልን ሓይሊ እዩ፡፡

2ይ ብርኪ ፀቢብነት፡-

እዚ ብርኪ’ዚ ካብቲ ቐዳማይ ደረጃ ዝገደደ ሓደገኛ ኾይኑ፤ ኢትዮጵያ ንእትበሃል ሃገር ኸም ሃገር ዘይቕበል፣ ንባዕሉ’ውን ኸም ሓደ ዜጋ ዘይርኢ ሓይሊ ኾይኑ ካብ ባዕሉን ናተይ ካብ ዝብሎን ኻልእ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘየእቲ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ካብቲ 3ይ ብርኪ ብዝገደደ ሕልፊ ጥቕምን ተጠቃምነትን ዝፅበ እዩ፡፡ 

1ይ ብርኪ ፀቢብነት፡-

እዚ ብርኪ’ዚ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እንትኾን ሓደገኛነቱ ድማ ኢትዮጵያ ንእትበሃ ሃገር ኸም ሃገር ብዘይምቕባል ዝግለፅ ጥራሕ እንተይኾነስ እታ ሃገር ኸም ሃገር ጠጠው ኢላ ክርኢ ዘይደልን ነዚ ንምዕዋት’ውን ጩቡጣትን መዕነውትን ኽያዶታት ንምኽዋን ዝሕለንን እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ሓይሊ’ዚ ነቶም ቕድም ኢሎም ዝተቐመጡ ኽልተ ብርክታት ኣባልገኦም ብምምሳል ክሰልቦምን ክጥቕልሎምን ስለዝፍትን ብኣብዛሓ ናይቲ ፀቢብነት ጫፋዊ ብልሒ ኾይኑ ይረአ፡፡ 

ብዛዕባ ፀቢብነት እዚ ካብ በልና ነቲ ኻልኣይ ሓይሊ ድማ ስዒብና ንርአዮ::

እቲ ሓይሊ ትምክሕቲ ብዙሕ ትንታነ ዘየድልዮ፣ ዉሱን፣ ፖለቲካዊ ከይኾነስ ሕክምናዊ ጠምተ ዝጠልብ፣ ፁሉልን ዉንጁዕን ስሚዒት እዩ፡፡

እዚ ስምዒት’ዚ ሓሓሊፉ መጠን ቓንዝኡ ትሕት እንትብል ዝተወሰነ ኣተሓሳስባዊ ቑመና ዘለዎ መሲሉ ዝረአ’ኳ እንተኾነ ብሓፂሩ እንትግለፅ፤ ካብ ወድዓውነትን ርትዓውነትን ኣዝዩ ብዝረሓቐ መንገዲ ንባዕሉን ንኣቦታቱን ጥራሕ እትመስል ሃገር ንምርኣይ ዝብህግ ሓይሊ እዩ፡፡ እዚ ሕድረተ-ልዕልናዊ ኣተሓሳስባ ብያዕያዕታ ተሰንዩ ንቕድሚት ክስጉም እንትፍትን ስምዒታውነት ስለዝስዕሮ ብዙሕ ከይኸደ ብተመሳሳሊ ያዕያዕታ ተገኒዙ ይኸስም፡፡ እቶም ነቲ ያዕያዕታ ዝፈጥሩን ኣብኡ ተስፋ ገይሮም ዝነበሩን ድማ ነታ ክረኸብዋ ዝኽእሉ ስነ-ልቦናዊ ፈውሲ ጥራሕ ኣብ ምርኣይ ስለዘድህቡ ነታ ሃገርን ነቲ ንሳቶም ዝብህግዎ ሃገራውነትን ዝጎድእን ዝፃባእን ተግባር እንትፍፅሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ግና ካብቶም ኻልኦት ብዘይነኣኣስ፤ ናብቲ ሓይሊ-ትግራይ ኢልና ዝሰመናዮ ንምፃእ’ሞ ብመሰረታውነት እንታይ ኸም ዝኾነን እንታይ ተባሂሉ እንተተሰየመ ኸም ዝሕሽን ንምርኣይ ንፈትን፡፡

እቲ ሓይሊ-ትግራይ ብመሰረቱ እንትግለፅ ሓይሊ ዉፉይነትን መስዋእትን እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ’ዚ በቶም ፀበብትን ምኩሓትን ዘይተቋረፀ ተፃብኦ ዝበፅሖ ኾይኑ ንባዕሉ ዝኾን ግዜ ዝሰኣነ፤ ፈትዩ ኾነ ተገዲዱ ኣብ መስዋእትነት ዝተረግረገ ሓይሊ እዩ፡፡

እዚ ሓይሊ’ዚ ኸም ሓደ ኣብ ዝባኑን ሓደ ኢዱን ፀውራ ዘብዘሐ፤ ብቲ ሓደ ኢዱ ድማ ንርእሱ ፀሓይ ከይወቕዖ ፀሊም ፅላል ዘርጊሑ ዝሓዘን ሰብ ኾይኑ፤ እግሩ ዕሾኽ እንትወግኦ ጥራሕ ነቲ ዘንጠልጦሎ ሸኽሚ ንግዚኡ ኣብ ባይታ ኣቐሚጡ ቕድም ኢሉ ንዝነበሮ “ምቾት” ንምምላስ ዝፍትን ሰብ መሲሉ ክሳኣል ዝኽእል ኾይኑ . . . ኣብ መንገዲ ንዝገጥሞ ተወሳኺ ሸኽሚ ንምቕባልን ነቲ ናተይ ዝብሎ ሕድሕድ ጉልበት’ውን ነቲ እናወሰኸ ዝኸድ ሸኽሚ ንክፀውር ዝገብርን ሓሓሊፉ ድማ ዘገድድን ብምዃን ይልለ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ዉፉይነቱን መስዋእትነቱን ቕጥዒ እናሳኣነ ብምኻዱ ነቲ ሓይሊ ብመሰረታውነት ገሊፁ ናብ ዘሐሸ ቑመና ንክመፅእ ዝሕግዞ፤ ቕርዑይን ከስማዕምዕ ዝኽእልን ኣገላልፃን ኣንፈትን ኸም ዘድልዮ ካብ ዝፍለጥ ሓያል ግዜ ሓሊፉ እዩ፡፡  

ስለዝኾነ ድማ . . . እዚ ሓይሊ ካብቲ ሐዚ ዝርከቦ ጉሁር ተርእዮ ንምእላይ እቲ ኣብቲ ርእሲ ዝተጠቐሰ “እርኑብ-ሃገራውነት” ዝብል መቐነት እንተተቐነተ ዝሐሸ ይመስል፡፡ ብመሰረቱ’ውን እንተኾነ እዚ ሓይሊ ቕድም ኢሉ፤ ብመትከላት እርኑብ-ሃገራዊነት ንምስጓም ዝጠቅም ፌደራላዊ ስርዓት ዝዘርገሐ ዋላ’ኳ እንተኾነ ብሚሒር ፅዕንቶ እቶም ሓይልታት ፀቢብነትን ትምክሕትን ነቲ እርኑብ-ሃገራውነት ክሳብ ሐዚ ከተግብሮ ኣይኻኣለን፡፡ ንዕኡ’ውን እዩ ከይፎተየ ልዕሊ እቲ ዝደልዮን ዝግበኦን ልብሰ-ሃገራውነት ተጆቢኑ ምልኣተ-ኣምር ኣብ ዘይብሎም መስዋእትነት ንክነቁጥ ተገዲዱ ዝርከብ፡፡ 

ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ሓይሊ-ትግራይ ፀውራ እቲ ኹምራ-መስዋእትነት ንክቃለሉን ኢሉ’ውን ካብኡ ንክናገፍን ካብኡ ድማ ነቲ ይምነዮ ዝነበረ እርኑብ-ሃገራውነት ንክትግብሮን እንታይ ምግባር ኸምዘድሊ ንዝለዓል ቑልፊ ሕቶ እቲ ጥንሰ-ሓሳብ በዚ ዝስዕብ ብፉልይነት ወሳናይ ዝኾነ ቦኳር ዉልዶ-ሓሳብ ክምለስ ይከኣል ኢለ ይኣምን፤ እዚ ዉልዶ-ሓሳብ ድማ፤

መትከላትን ሓይልታት ዴሞክራሲ ምስፍሕፋሕን ምጥንኻርን እዩ!!

************

* ነብዩ ስሑል ሚካኤል – ደራሲ፣ መምህር ስነ-ፅሑፍን ሓፈሻዊ ተምሃራይ ህይወትን እዩ:: ብሽሙ ኣብ ፌስቡክ፤ ኣብ ኢመይል ድማ ብ [email protected] ክረኽብዎ ይኽእሉ::

Guest Author

more recommended stories