ገምጋም መግለፂ ቅዋም መድረኽ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት

(መርስኤ ኪዳን)

መሪሕነት ሕወሓት ሸሞንተ መዓልቲ ዝወሰደ መድረኽ ተሓድሶ ገይሩ ምስወድአ ብ እለት 26 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ ኣሎ። እዚ ናይ ሕወሓት መግለፂ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካብዝሃቦ መግለፂ ዝተኸተለ ክኸውን፤ ኣብቲ ናይመጀመሪያ መግለፂ “ንሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ቀንዲ ፓለቲካዊ ፀገማት ኮይኖም ሓሊኾም ሒዞም ዝፀንሑ ከም ፀረ ዲሞክራሲ ፣ፀቢብነት ፣ጉድለት ስነምግባር፣ ብልሽው ኣሰራርሓ፣ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ዝኣመሰሉን ነጥብታት ኣብ ባዕሉ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ከመይ ከም ዝግለፅ ናብ ነብሱ ኣጣቢቑ ብዕምቆት ብምግምጋምን ሃናፅን ዕውትን ቃልሲ ብምክያድን..” ጉድለታቱ ከምዝእርም በዚ መሰረት ኻዓ “ተሪርን ዓሙቑን” ስጉምቲታት ከምዝወስድ ገሊፁ ነይሩ።1

ህዝቢውን ወላኳ እቲ ተሃድሶ ግዜ ዝወሃቦ ከምዘይኮነ ይፍለጥ እምበር እታ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለላ ውድብ ክትህደስ ተስፋ ብምግባርን በቲ ግዜያዊ ኩነታት ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ከይጋደድን ብትዕግስቲ ክፅበይ ፀኒሑ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ከይበርስ፣ ሃገር ከይትጉዳእ ኣድላይ ናብዘይኮነ ቅልውላው ከይንኣትው ብዝብል ነቶም ዘለውዎ ሕቶታት ከምልማዱ ብትዕግስቲን ብተገዳስነትን ከቕርብ ፀኒሑ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ዓብዪ ትፅቢት ዝተገበረሉ ናይሸሞንተ መዓልቲ መድረኽ ተሃድሶ ኣይኮነን ተሪርን ዓሙቑን ስጉምቲታት ክወስድ፣ ወላ ሓንቲ ትበሃል ለውጢ ተምፅእ ውሳነ ከይወሰነ ዛዚሙዎ ኣሎ።

ኣብቲ መግለፂ “ዉድባዊ መድረኽ ተሃድሶና ዝዘተየሎም ቀንዲ ዝርዝር ዛዕባታት” ኢሉ ክልተ ዛዕባታት ይዝርዝር፡ ንሶምውን

1/ ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመር ተሃድሶና ዝዓተርናዮም ዓበይቲ ዓወታት

2/ ጉዕሶ ህዳሰናን ኣብ ውድብና ዘለው ፈተናታትን ሓደጋታትን

ኣብቲ ቀዳማይ ዛዕባ “ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመርና ተመሪሕና ኣብ ገጠርን ከተማን ኣብ ዙርያ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን ኣብ ክልልና ይኹን ብብርኪ ሃገር ብዙሓት ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ዓቲርና ኢና” ይብል። ነዚ ኣባሃህሉኡ ነከጠናኽር ኻዓ ብትምህርቲ ብጥዕናን፣ ብምህርቲ ሕርሻን ዝተርኣዩ ምምሕይያሻት ይዝርዝር።

ህዝቢ ግን በዚ ዝሰማማዕ አይመስለኒን። እቲ ህዝቢ ኣብትግራይ ብኹሉ መዳያት ፀገም ከምዘሎ ብፍላይ ኻዓ ብሰናይ ምሕደራ፣ ናይከተማታት መሰረታዊ ኣገልግሎት፣ ኣማሓዳድራ መሬት ገጠርን ከተማን፣ ብምኽባር ዴሞክራሲያዊ መሰልን ዓበይቲ ፀገማት ከምዘለዉ ክገልፅ ካብዝጀመረ ብዙሕ ግዜ ገይሩ። (ናይ ወልቀታይ ሕቶውን ሰናይ ምሕደራን ኣማሓዳድራ መሬት ይስተኻኸል ዝብል እምበር ተጋሩ አይኮናን ዝብል አይኮነን።) ህዝቢ ትግራይ ነዞም ሕቶታት ክሓትት ዝጀመረ ቅድሚ ቶም ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ክልል ኦሮሞን ዝተልዓሉ ሕቶታት እዩ። ብፍላይ ኣቶ ዳዊት ገብረእግዚኣብሄር ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብተፈላለዩ ማዕቀናት ዜና ወፂኡ ነቶም ኣብትግራይ ዘለዉ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ድኽመታት ብግልፂ ምሰቃለዐ መብዛሕትኡ ህዝቢውን ነተን ሕቶታት ሕቱኡ ገይሩ ክንቃሳቐስ ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና መሪሕነት ሕወሓት ንዘን ሕቶታት አብቲ ብ2008 ዝተገበረ ኮንግረስ ክመልሶም እየ ኢሉ እቲ ህዝቢውን ከምልማዱ ብትዕግስቲ ዋላኳ ተተፀበዮ ብዘይ ሓንቲ ለውጢ ነቶም ናይ ኣማራርሓ ድኽመት ኣርእዮም ዝበሎም መራሕቲ መሊሱ ሸይሙ ንባዕልና ክንህድስ ግዜ ሃቡና ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ሓሊፉዎ። እነሆ ድሕሪ ዓመትውን ብዘይ ሓንቲ ጭቡጥ ስጉምቲ ክህደስ እየ ግዜ ሃቡኒ ዝብሉ ክልተ መግለፂታት ይህበና ኣሎ። እዚ ነቲ መስትውዓላይን ሕዱእን ህዝቢ ትግራይ ዝግባእ መልሲ ድዩ?

ካብኩሉ ዘሕዝን መሪሕነት ሕወሓት ባዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘቐመጦ ገምጋም እዩ።

“ብመዳይ ህንፀት ዴሞክራሲን ትካላት ዴሞክራሲን ድማ ኣብ ሃገርና ይኹን ክልልና ዱልዱል ሕገ መንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ብዝተኻየደ ፃዕሪ ህዝብና ዲሞክራሲያዊ ባህሉ ዘማዕብለሉን ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዝጠናኸራሉን ስራሕቲ ምስላጦምን እቶም ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጡ መሰላትን ንሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዝወፁ ዝርዝር ሕግታትን ብምትግባር ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ክልልናን ሃገርናን ዘተኣማምን ሰላም ክሰፍን ኽኢሉ እዩ፡፡”

እዚ ገምጋም ካብቲ ኣብመሬት ዘሎ ሓቂ ፍፁም ዝረሓቐ እዩ። ኣብትግራይ ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ኣይኮነን እናተሃነፁ ከኽዱ ብስሩውን ኣለዉ ዘብል ኩነታት የለን። እቲ ቤት ምኽሪ ክልል ካብ ቤት ምኽሪ ሕወሓት ምንም ዝፈልዮ ነገር የለን። ኣይኮነን ነቲ ኣፈፃሚ ኣካል ክቆፃፀር፣ ባዕሉ ብትሕቲ ኣፈፃሚ ኣካል እዩ። ቤት ፍርዲውን ዋና መግለፂ ናይቲ ግዕዙይ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ። ፖለቲካዊ ፓርቲታት ብናፃ ዝንቀሳቐሱሉ ኩነታት የለን። ብሓፈሻ አብትግራይ ዘሎ ስርዓት ፍፁም ዘይዴሞክራሲያዊ ናይጉጅለ ምልካዊነት ተባሂሉ ክግለፅ ዝኽእል እዩ። ምልካዊነት (ዲክታተርሺፕ) ሰለስተ ዓይነት ደረጃታት አለውዎ። እቲ ሓደ ውልቃዊ ምልካዊነት ዝበሃል ስልጣን ብትሕቲ ሓደሰብ ዝኾነሉ ስርዓት እዩ (ኣብነት ንናይ ዒራቕ ሳዳም ወይ ካዓ ናይ ሊቢያ ጋዳፊ ምውሳድ ይካኣል)። እቲ ካልኣይ ናይጉጅለ ምልካዊነት እዩ። እዚ ስርዓት ስልጣን ብትሕቲ ዝተወሰኑ ዝተጎጀሉ ውልቀሰባት ዝኣትወሉ ስርዓት እዩ። እቲ ሳልሳይ ኻዓ ናይብዙሓት ምልካዊነት ክኽውን ስልጣን ብትሕቲ ቁፅፅር መብዛሕትኡ ህዝቢ ዝኾነሉ ስርዓት እዩ። ኣብትግራይ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ናይ ጉጅለ ምልካዊነት እዩ። ወላ መብዛሕትኡ ኣባል ሕወሓት ባዕሉ ምስቲ ሓፋሽ ዝጭቆነሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ። መብዛሕትኦም ኣባላት ሕወሓት እቲ ቀደም ኣብገድሊ ዝፈልጥዎ ንመሪሕነት ምሕታትን ምግምጋምን ሎሚ ዘይፍተን ሓደገኛ ተግባር ኮይኑ ህዝቢ ክብደል እናረኣዩ ምንም ክገብሩ ዘይኽእሉሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ብሳእኒ ናፃ ናይምርጫ ስርዓት ንህዝቢ ዝበደሉን ዘማረሩን መራሕቲ አይኮነን ካብስልጣኖም ክእለዩ ዝበለፀ ነቲ መሪሕነት ብዘለዎም ተኣማኒነት ልክዕ ስልጣን እናተወሰኸሎም እዩ ይርኧ ዘሎ። ምንጪ ስልጣን ንህዝቢ ተርእዮ ተኣማኒነትን ብቕዓትን ከይኮነ ነቲ ጉጅለ መሪሕነት ሕወሓት ተርእዮ ተኣማኒነት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዝገርም ገምጋም “ . ..ኣብ ክልልናን ሃገርናን ዘተኣማምን ሰላም ክሰፍን ኽኢሉ እዩ፡፡” ይብል። ብኣሸሓት ዝቁፀሩ ተጋሩ እናተመዛበሉ፣ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ሞይቶም፣ ሃገር ተሓሚሳ “የኣስቸኳይ ጊዜ ኣዋጅ” ተኣዊጁ ኣብዘሎ እዋንውን ሰላም ሰፊኑ ኣሎ ዝብል ዝገርም ገምጋም እዩ።

አብቲ ካልኣይ ዛዕባ “ጉዕሶ ህዳሰናን ኣብ ውድብና ዘለው ፈተናታትን ሓደጋታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣለውኒ ንዝብሎም ፈተናታትን ሓደጋታትን ከምዝስዕብ ይገልፅ። “ . . . ብምኽንያት ባዕሉ እቲ ዘረጋገፅናዮ ዓወት ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ሕ/ሰባዊ ጠለባት ብኣግባቡ ዘይምምላስና፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ነቲ ኣብ እዋን ተሃድሶና ዘነፀርናዮ ናይ ስርዓትና ሓደጋ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፅንዓት እናመከትናን ካብ ምንጩ እናድረቕናን ብዘይምኻድና ነቲ ምርግጋፅ ጀሚርናዮ ዘለና ለውጢ ንድሕሪት ክመልሱን ናብ ሓደጋ ከእትውናን ዝኽእሉ ጉድለታት ኣመራርሓ ከምዘለውና እውን ግልፂ ኮይኑ’ሎ፡፡” ቐፂሉውን ሰናይ ምምሕዳር ክነንግሰሉ ብዘይምኽኣልና፣ ናይመናእሰይን ደቀአንስትዮ ተጠቃምነት ዘይምርግጋፅና፣ ከም ህዝቢ ዝተፀበዮ ንሽቶታት ዕብየትን መሰረታዊ ለውጥን ዘይምዕዋትና . . . ኣናበለ ነቶም ፈተናታት ይዝርዝር። ነዞም ፈተናታት ዘጋድዱ ሓደጋታት ኻዓ ክራይ ኣካብነት፣ ግዕዝይና፣ ብልሽው ኣሰራርሓ፣ ፀቢብነት ኢሉ ይዝርዝሮም እሞ . . . “ ዝሓዝካዮ ስልጣን ንረብሓን ኣገልግሎትን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምውዓል ንውልቀ ረብሓኻን ክብርኻን መረጋገፂ ገይርካ ምውሳድ’ ምንጪ ኩሎም ጉድለታትና ምኳኑን ብትረት ክንቃለሶ ከምዝግባእን ኣብ ሓደ መደምደምታ ተበፂሑ’ሎ ፡፡” ኢሉ ከም ቀንዲ ሓደጋ ይገልፆ።

እዚ ገምጋም ካብቶም ይርኣዩ ዘለዉ ሓደጋታት ን ሓደ ጥራህ ዝዳህሰሰ እዩ። ግዕዝይና፣ ሳእኒ ሰናይ ምምሕዳር፣ ሳእኒ ናይ መናእሰይን ደቀኣንስትዮን ተጠቃምነት ዝኣመሰሉ ፀገማት ከምዝተገለፀ ንዝሓዞ ስልጣን ብግቡእ ዘይጥቀም ብቑዕ ኣመራርሓ ካብዘይምህላው ዝመፁ ፀገማት እዮም። እዚ ግን ኣብትግራይ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ካብዘለው ፀገማት ሓደ እምበር በይኑ ኣይኮነን። መሪሕነት ሕወሓት ንሳእኒ ፍትሒ፣ ሳእኒ ናፃ ሜዲያ፣ ሳእኒ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ሳእኒ መማረፂ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከምሓደጋ ኣይገምገመንን። እቲ ሓደ ኣሎ ዝበሎ ሓደጋ ንበይኑ ክእለይ ዝኸል ኣይኮነን። ዘን ዝተዘርዘሩ ሓደጋታት ኩለን በሓደ እንድሕር ዘይተኣልየን ነቲ ሓደ ነፂልካ ምምሕያሽ ኣይካኣልን። ንኣብነት ንዝሓዞ ስልጣን ንውልቃዊ ጥቕሚ ዘውዕል ሰበስልጣን ብምርጫ ካብስልጣኑ ዝወርደሉ መንገዲ እንድሕር ዘየለ እቲ ሰበስልጣን ተኣማኒነቱ ነታ ስልጣን ትህቦ ውድብ እምበር ነቲ ዘመሓዳድሮ ህዝቢ ኣይኾንን። ብተመሳሳሊ ካብ ቀበሌ እስካብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ዝመርሐሉ ፖለቲካዊ ስርዓት ነቲ በዓል ነዊሕ ዕድመን ብዙሕ ባህሊን፣ ቋንቋን፣ ኣረኣእያን ዘለዎ ህዝቢ ይውክል እዩ ክባሃል ኣይካኣልን። ነቶም ሓደጋታት ኣፀቢቕና እንተገምጊምናየን፣ ቀዲሙ መፍትሕ ዘድልዮ እቲ ፖለቲካዊ ሓደጋ እዩ። ከምቲ ስዉእ ተጋዳላይ ሓውና ኣሞራው ዝበሎ “ህዝቢ ንዝደለዮ ዝመርፀሉ” ፖለቲካዊ ስርዓት ክንፈጥር እንተዘይኽኢልና ነቶም ካልኦት ፀገማትና ክንፈትሖም ኣይንኽእልን።

እቲ መግለፂ ቀፂሉ ኻዓ “ዉሳነ መድረክ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድብ “ ብዝብል ኣርእስቲ ዓሰርተ ነጥቢታት ውሳነ ከምዝስዕብ ይዝርዝር።

1. ዉድብና ንምድረካዊ ተልእኩኡ ንምብቃዕ ቅድሚ ኹሉ ንባዕልና ብምህዳስ ኣብ ፅላል መስመር ተሃድሶና ዓሲልና ብግዜ የለን ኣተሓሳስባ ክንጋደል ወሲንና ኣለና።

2. ናይ ውሽጠ-ውድብና ዴሞክራሲያዊ ህይወትን ቓልስን ብምሕላው፣ ቐፃሊ ዝተወዓዓየ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ብምፍጣርን መትከላዊ ቓልሲ ብምክያድን ወያናይ ሓድነትና ብምጥንካርን ኣጋጢሞምና ንዘለዉ ፈተናታትን ሓደጋታትን ብመሰረቱ ንምፍታሕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክንረባረብ ቃል ንኣቱ።

3. ምንጪ ኹሎም ጉድለታትና ኮይኑ ዘሎ ‘ዝሓዝካዮ ስልጣን ንረብሓን ኣገልግሎትን ህዝቢ ዘይምውዓል’ ካብ ሱር መሰረቱ ብምምሓው ህዝባውነት ውድብና ንምርግጋፅ፣ንህዝብና ንምክሓስን ጫማ ህዝቢ ኮይንና ንምግልጋልን ቃል ንኣቱ።

4. ህዝባዊ ውግንናናን ወያናይ ክብረታትናን ብምሕላውን ፖለቲካዊ ብቕዓትና ብምዕባይን ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ንምምዝጋብን ዕግበት ህዝብና ንምርግጋፅን ክንዋሳእ ቃል ንኣቱ።

5. ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ንምዕሟቅ፣ንምድልዳልን ቁፅፅር ስልጣን ንምሕያልን ኣገደስቲ ዝኮኑ ኣብያተ ምክሪ፣ማሕበራት ሓፋሽ፣ማዕኸናት ዜናን ካልኦት ትካላት ዴሞክራሲን ንምጥንካር ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ ተግባራዉን ኣብነታዉን መሪሕ ተራና ክንፍፅም ቃል ንኣቱ።

6. ንዓወታትና ብምዕቃብ ሓደጋ ስርዓትና ዝኾነ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ኪራይ ብፅንዓት እናመከትና ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኽልተ ንምዕዋት ብውፍይነትን ብቖራፅነትን ክንረባረብ ቃል ንኣቱ፡፡

7. ተሳትፎን ተጠቃምነትን ናይቲ እንሃንፆ ዘለና ስርዓት ተረካቢ ዝኾነ መንእሰይን ናይ ሕ/ሰብና ፍርቂ ኣካል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ክንረባረብ ኢና።

8. ቐፃልነት መስመር ተሃድሶና ንምርግጋፅ ምትኽኻእን ኣብ መንጎ ተተካእትን ተካእትን ቀፃሊ ምጉርራስ ምህላዉን ኣማራፂ ዘይብሉ መስርሕ ብምዃኑ ውድብ ብዘቐመጦ ኣንፈት ተተካእቲ ንምፍራይን ፖለቲካዊ ብቕዓቶም ንምዕባይን ካባና ትፅቢት ዝግበር ኹሉ ንምፍፃም ድልዉነትና ነረጋግፅ።

9. ነቲ ብምኽንያት ውሽጣዊ ፀገማትና ኣብ ህዝብና ዝተፈጠረ ዘይምዕጋብ ከምዕድል ብምውሳድ ኣብ ሞንጎ ውድብናን ህዝብናን ነቓዕ ንምፍጣር ለይትን ቀትርን ንዝፅዕሩ ዘለው ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀረ ህዝብን ፀረ ሰላምን ሓይልታት ንምምካት ሎሚ’ዉን ከም ቀደምና ኣብ ፅላል ዉድብና ዓሲልና ብትረት ከምእንቃለሶም ነረጋግፅ።

10. ምስ ኣሓትን መሓዙትን ዴሞክራሲያውያን ውድባት ኢህወዴግ ዘለና ወያናይን መትከላዉን ዝምድና ብምጥንኻር ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫዉ፣ ጉዕዞ ህዳሰና ንድሕሪት ንምምላስን ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ንምፍራስን ንዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ንምምካት ግቡእ ግዴና ክንፍፅም ኢና።

ኩለን ነጥብታት ውሳነ ቃል ንኣቱ ኢና፣ ክንረባረብ ኢና፣ ክንፍፅም ኢና ብዝብሉ ሃረጋት እዮም ዝውድኡ። መሪሕነት ሕወሓት ሎሚውን ድሕሪ ክንደይ ትፅቢት ብዘይ ቃል ምእታው ወላ ሓንቲ ጭቡጥ ስጉምቲ ከይወሰደ ነቲ መድረኽ ተሓድሶ ዛዚምዎ ኣሎ። እዚ መድረኽ ተሓድሶ ናይመጀመሪያ ዕድል ተዝኸውን ኣይምገረመን ነይሩ። ኮይኑ ግና ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ እቲ ህዝቢ ዘለውዎ ሕቶታት ከቕርብ ምፅንሑ ዝፍለጥ ክኸውን፣ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲህዝቢውን ነዞም ሕቶታት ምስ መፍትሒኦም ክጥቁሙ ፀኒሖም እዮም። ምእንታን ኣንበብቲ ክዝክሩወንውን ካብቲ ብዙሕ ብጣዕሚ ንእሽተን ቐንጪበ አብዚ ዘርዚረየን ኣለኹ።

፩. ህዝቢ ትግራይ ካብ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት እንታይ ንጽበ ኣለና ?ተስፋይ ይብራህ [PDF]

፪. ትብፃሕ ናብ ብፃይ ኣባይ ወልዱ (ኣባይ ደራ)፡ መልእኽቲ ድህረ-ጉባኤ፡ መሓሪ ዮሃንስ [PDF]

፫. ልእኽቶታት ካልኣይ ወያነ ትግራይ ናበይ ኣበሉ? መሪሕነት ህወሓት ደደቢት ናብ መቐለ ከምፅእ ክብል ንመቐለ ናብ ደደቢት ክወስዳ የብሉን!! ተወልደብርሃን ክፍለ [PDF]

፬. የኢህአዴግ “እከክልኝ ልከክልህ” ይገታ ይሆን? ዮርዳኖስ ፍትሀነገስት [PDF]

፭. Political analysis on the 12th TPLF Congress – Scholars at Mekelle University – Part 1 & 2 [YouTube]

፮ Reflections on the 12th Tigrai Peoples Liberation Front – TPLF Congress መረሳ ፀሃየ

፯. Interview with Dawit Gebregziabher, a successful businessman, & philanthropist [YouTube]

ካብዚ ንላዕሊ ዝዘርዘርኩዎም ዝተፈላለዩ ተጋሩን ካልኦትን ዝፀሓፉዎም ፅሑፋት ኩሎም ካብ ሕወሓት ዓብዪ ተሓድሶ ከምዝፅበዩ ክዝርዝሩ፣ ኣብትግራይ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዘለው ፀገማት ከምኡውን ትኹረት ክግበረሎም ዝሓተትዎም ዛዕባታትውን ተመሳሳሊ ነይሮም ክባሃል ይካኣል። ንሳቶምውን ከምዝስዕብ ክጠቓለሉ ይካኣል።

፩. ቅድም ቀዳድም ስልጣን ንውልቃዊ ረብሓ ዘውዓሉን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት ዝጎደሎም ሰበስልጣን ካብስልጣን ምእላይ

፪. መንግስትን ፖለቲካዊ ፓርቲን ክፈላለዩ ምግባር

፫. ነጻ ሚድያ ክህሉ ምግባር

፬. ናይፍትሒ ኣካላት ናፅነትን ተሓታትነትን ምምሕያሽ

፭. ፖለቲካዊ ፓርቲታት ብናፃ ክንቃሳቐሱን ክጠናኸሩን ምግባር

፮. ናፃ ምርጫ ተኻይዱ ህዝቢ ዝደለዮ ዝመርፀሉ ስርዓት ምፍጣር

፯. ከም ማልት(TDA) ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ካብ ፅዕንቶ ሕወሓት ናፃ ኾይኖም ብናፅነት ክሰርሑ ምግባር

ቕድሚ ዓመትን ፈረቓን ብነሓሰ 2008 ዓ.ም. ዝተገበረ መበል 12 ኮንግረስ ሕወሓት ነዘን ናይህዝቢ ሕቶታት ክምልስ እዩ ዝብል ትፅቢት እንኳ ተዝነበሮ ብዘይ ሓንቲ ጭቡጥ ስጉምቲ ተዛዚሙ። ነተን ናይሎሚ ውሳኔታት ባዕለን “…ብግዜ የለን ኣተሓሳስባ ክንጋደል ወሲንና…” ዝብል መልእኽቲ አሕሊፉ ግዜ ክወሃቦ ሓቲቱ። ሎሚውን ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን ብግዜ የለን ኣታሓሳስባ ክንቃለስ ቃል ንኣቱ ይብለና ኣሎ። እዚ ፍፁም ተቐባሊነት ዘይብሉ እዩ። መሪሕነት ሕወሓት ብስሩ ክህደስ ይኽእል ዶ? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ብዘይ ድፍኢት ብናይባዕሉ ተበግሶ ክህደስ ድልየት ከምዘይብሉ ግሁድ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ነታ ውድብ ኣገዲዱ ናብ ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ክደፍኣ ይግባእ።

መሪሕነት ሕወሓት ብዘይ ሓንቲ ጭቡጥ ስጉምቲን ርኡይ ለውጢን ምስህዝቢን ታሕተዎት ኣባላት ታውድብን ዝግበሩ ናይተሓድሶ መድረኻት ከዘጋጀው ይሻባሸብ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ንኣባላት ሕወሓት ሓዊሱ ዘን መድረኻት ከምናይመቃለሲ ዕድላት ብምጥቃም ነዘን ኣብላዕሊ ዝዘርዘርኩወንን ካልኦትን ሕቶታ ብምሕታት ድፍኢት ክገብር ኣለዎ። ከምቲልሙድ መሪሕነት ሕወሓት ነዘን ሕቶታት ከይመለሰን ናይባዕሉ ዛዕባታት ጥራሕ ዘትዩ ክሓልፈን ክፍትን እዩ። ህዝቢውን ብዘይምስልቻው ነተን ሕቶታት ብምድግጋምን ኣድላይ ክኸውን ከሎ ነተን መድረኻት ረጊፅካ ብምውፃእ፣ እንድሕር ፍፁም ዘይሰምዕ እንተኾይኑ ኻዓ ፍፁም ሰላማዊን ሕጋዊን ዘኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ክቃለስ ይግባእ። ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ ኣብትግራይና ይኹን ኢትዮጵያና ይርኧ ዘሎ ምዕባለ ክቕፅል፣ ሰላም ክሰፍን፣ ዴሞክራሲ ክዕንብብ እምበር ሰላምን ልምዓትን ካብዘይምድላይ ኣይኮነን። እቲ ኣሸሓት ኣሕዋትን ኣሓሕትን ዝኸፈልናሉ ናፅነትናን መሰልናን ክሕለው እምበር ሱቕ ኢልካ ንምቅዋም ኣይኮነን። ሕወሓት ተሓዲሳ ነዚ ባዓል ነዊሕ ታሪኽን ሰላም ደላይን ወርቂ ህዝቢ ካብዝመርሑ ፓርቲታት ሓደ ኾይና ክትቕፅል እምበር ክትዳኸም ካምድላይ ኣይኮነን። ካብኩሉ ኻዓ ነቶም ናትና ናብራ ክማሓየሽ፣ መሰልና ክኽበር፣ ናፅነትና ክሕለው፣ ህይወቶም ዝኽፈሉልና ስውኣትና ቃሎም ክነኽብር ግዴታ ስለዘለና እዩ።

*********

* መርስኤ ኪዳን ([email protected]) ሜኔሶታ ሃገረ ኣሜሪካ

Guest Author

more recommended stories