ዓብላልነት ተጋሩ ነጊሱ ዶ ተፋሒሱ?

(ጎይቶም ተፈሪ)

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምፅነሐይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተለዓለ ዓመፅ ዓብላልነት ተጋሩ ዝብል ሕቶ ክለዓል እንክሰምዕ ቦኽሪ እዝነይ ኣይነበረን። ኣብ መሬት (reality) ኣሎ ድዩ ወይስ የለን ካሊእ ሕቶ ኮይኑ ቁፅሮም ቀሊል ኣብ ዘይበሃል ሰባት ከምዚ ዝዓይነቱ ኣረኣእያ ከምዘሎ ግን ርዱእ ይመስለኒ። ንብዙሓት ኣዕሩኽተይ ካብ ሕዚኡ ከምዚ ዓይነት ስምዒታት ንምጥፋእ ፃዕሪ እንተዘይተገይሩ ደሓር ተኣኪቡ ንህዝቢ ትግራይ ዘኽፍሎ ዋጋ ክህሉ እዩ ኢለ ከረድኦም ክፍትን ከለኹ መብዛሕትኦም ክቕበሉኒ የሸግሮም ነይሩ። ዘቕርብዎ ምኽንያት ከዓ ኣብ ክልተ ከፊልካ ክረአ ይኽእል እዩ። መብዛሕተኦም ሕልፊ ኣይተጠቐምናን ፤ ከምኡ ዝብል ክሲ ኣካል እቲ ውሑዳት ትምክሕተኛታት ዝኣልምዎ ዘለዉ ዉዲት እዩ። ጊዚኡ ሓልዩ ክጠፍእ እዩ ዝብል እዩ። እቶም ብተነፃፃሪ ዉሑዳት ዝኾኑ ከዓ ሕልፊ ኣይተጠቐምናን ፣ ልዕሊ ሃገርና ስልጣን ኣይወነንናን’ውን ከይበሉ ብደፈንኡ ምንም ኣይመፀናን ዝብሉ እዮም። ኣምሓራይን ኦሮሞን ሓቢሩ ኣንፃር ትግራዋይ ዝለዓለሉ መንገዲ የለን ዝብል እዩ እቲ ውሕስነኦም። እንዲያውም ኣብ መንጎ ኣምሓራይን ኦሮሞን ዘሎ ዘይዛሪ ፅልኢ ንትግራዋይ መተዓረቒ ወይከዓ ወናኒ ስልጣን ክኸውን’ውን ዕድል ዝፈጥረሉ እዩ ዝብል ትምኒታዊ ኣተሓሳስባ’ውን እዩ ዘለዎም።

እንተኸማይ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ፍሉይ ተረባሓይ ነይሩ ኣይብልን። እኳ ደኣስ ካልኦት ከተማታት እንትህነፃን እንትውቅባን ካትራመ (asphalt) ዘይተለመፀ መንገድታት ማእኸል ከተማ መቐለ ተፈሓሒሩ ጎቦን ሽንጭሮን ኣውፂኡ ኣሎ። እቲ ድኽነት እንተበልካ እውን ከይተፈለጠሉ ፣ በተን ሓደ ሓደ ህንፃታት ተሓቢኡ ኣብ ከተማ ይገድድ። ኣብ መነባብሮ እቲ ገባር መፂኻ’ውን እቲ ዓመታት ቆፂሩ ዝመፅእ ዘሎ ድርቂ ማዕረ ማዕረ ካልኦት ክልላት ማህሰይቲ የውርደሉ ኣሎ። ካበዚ እተለዓለ’ውን ህዝብና ፈቖዶ መንገድታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልመና ክኣቱ ተገዲዱ እዩ። ካብዚ ዝተለዓለ’ውን “ኣቦ እነዚህ ትግሬዎች እኮ ከለማኝ እስከ ጠቅላይ ሚኒስተር ተቆጣጠሩት’’ እናተብሃልና መስሐቒ ሸራፋት ኮይና ፀኒሕና ኢና።

ብ1994 ዓ.ም. ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሓደ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ክልል ትግራይ ብዝሰልዖ በጀት ሰለስተ ተጋሩ ምሁራት ስነ-ቑጠባ (ዶ/ር ጣሰው ወልደሃና ፣ ዶ/ር ተኪኤ ኣለሙን ዶ/ር ወልዳይ ኣማሃን) ዘካየድዎ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ መድረኽ ቐሪቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ምሁራት ተጋሩን ካብ ትግራይ ዘለዉ መራሕቲ ክልልናን ዳርጋ መብዛሕተኦም ተረኺቦም ነይሮም። እቶም ምሁራት ብብዙሓት ናይ ስነ-ቑጠባ መዐቀኒታት ተሓጊዞም ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድኽነት ካብ ካልኦት ክልላት ኣብ ዝተበኣኣሰ ኩነታት እዩ ዘሎ ዝብል ውፅኢት መፅናዕቲ ሒዞም እዮም ቀሪቦም። ካብኡ ደኣ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰበስልጣን ህወሓት ምቕባላ ኣፀጊማትሎም ዝሕዝዋን ዝጭብጥዋን ክስእኑ ተዓዚብና። ሓደ ብሓደ እናተቐባበሉ ከኣ ካበይ ዝኣከብክምዎ መረዳእታ (data) እዩ እናበሉ ብሕቶ ከፋጥጥዎም ኣተዉ። እታ ብጣዕሚ ዝገረመትኒ ግን ሓንቲ ኣካል ኣመራርሓ ክልልና ዝኾነት ነባር ተጋዳሊት ሀወሓት ዝተዛረበቶ እዩ። “እንተ ኣነ ህዝቢ ትግራይ እናደኸየ ይኸድ ኣሎ ዝብል ዘረባ ኣይተረደኣንን። በቐዳማይ ካብ ሽረ ብመኪና እናመፃእኹ መስኮት ከፊተ እናተዓዘብኩ ነይረ። እቲ ሰብ ኣከዳድንኡ ኣረጋግፅኡ ሪኢኻ ፅቡቕ ኢዩ ዘሎ” ድማ በለት። እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ምሁር ሓደ ብሓደ እናተለዓለ ንዴት ዝተሓወሶ ዘረባ ተዛረቦም ፤ “ብስሩ እባ እዛ ውድብ ኣፍ እምበር እዝኒ የብላን ፤ ተዛረቡ ትብሉ እምበር እትሰምዑ ሰባት ኣይኮንኩምን’’ ከዓ በሎም። ድሕሪ ሰዓት ኣቢሉ ግን እቶም ብቕንዕነኦም ዘይሕመዩ መመሓደሪ ክልልና ዝነበሩ ኣይተ ፀጋይ “ንእሽተይ እኳ ምቕባላ ኣሸጊራትና ነይራ እያ’’ ዝዓይነቱ ዘረባ ምስ ተዛረቡ ተሓስዮም ተጎስዮም ከምተቐበልዎ ነጊሮምናታ። ደሓር ግን መግለፂ ቅዋም ክፀሓፍ እንተሎ ፖለቲካ’ውን ግዲ ከይተበላሹ ተፈሪሓ “ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ስራሕቲ’ውን እንተተሰርሐ እቲ ዕቤት ነናብ ሕድሕድ ገዛ ንኽሽረፍ ገና ብዙሕ ምስራሕ ከድልየና እዩ’’ ዝብል መመሓየሺ ተገይሩላ ተነቢባትልና።

ድሕሪኡ (ብፍላይ ከዓ ድሕሪ 97ዓ.ም.) ካብቲ ሕሉፍ ዝሐሸ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኣብ መነባብሮ ህዝብና መፂኻ ግን ይትረፍ ዶ ክንዲ እቲ ሓለፋ ይረኽቡ ኣለዉ ተባሂልና እንሕመየሉ ፤ ሕቶ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ዝምልስ ለውጢ’ውን ገና ኣይተረኣየን። ከም ህዝቢ ሓለፋ ዝረኸብናሉ ነገር እንተዘይሃልዩ ብፍሉይ ተረባሕቲ እዮም ዘብለና ዘሎ ደኣ እንታይ እዩ?

እቲ ሓደን ዘይከሓድን ከምቲ መንግስቲ’ውን ደጋጊሙ ዝብሎ ብሻዕቢያ ዝሕገዙ ሓደ ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣኽረርቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ናይ ፀለመ ዘመተ እዩ። ትግራዋይ’ውን በዝሑ ውሑድ ምስቲ ምኳኑ ህዝቢታት ኣንፃሩ ክለዓሉ ከም መአከቢ ነጥቢ (rallying point) ወይከዓ መስዋእቲ በጊዕ (scapegoat) ክኸውን እንተገበርናዮ የዋፅአና እዩ ዝብል እኩይ ኣካይዳ ኣሎ። ግን ከኣ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ከምቲ መንግስቲ ዝብሎም ውሑዳት እንተኾይኖም ከመይ ኢሎም እዮም ቁፅሩ ቀሊል ዘይበሃል ህዝቢ ግዳይ ናይዚ ኣተሓሳስባ ክገብሩ ኪኢሎም። እዚ ኣተሓሳስባ ክስፋሕፋሕ ኣብ ምግባር ማሕበራዊ ሚዲያ (social media) ቀሊል ዘይበሃል ታራ ይፃወት ከምዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ግን ከዓ ምስቲ ትሑት ዝርገሐ ኢንተርኔት (Low Internet penetration) እንታይ ዓይነት ዘእምኑ ዝመስሉ (Seeminglyconvincing) ዛዕባታት እንተልዐሉ እዮም ቁፅሩ ቀሊል ዘይበሃል ህዝቢ ከስሕቱ ዝኸኣሉ?

ትካላት ትእምት ዶ ይኾና? ትካላት ትእምት ኣብ ከይዲ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብተዋህለለ ካፒታል ከምዝተሃነፃን ዋንነተን ከዓ ናይ ህዝቢ ትግራይ ምኳኑ ተደጋጊሙ ዝተገለፀ ይመስለኒ። እንተ ናብ ተረባሕነት ህዝቢ መፂና ግና ትካላት ትእምት ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ወፃኢ ትግራዋይ ብፍሉይ ተረብሒሉ ክበሃል ዝኽእል ለውጢ መነባብሮ ኣምፅኤን ክብል ኣይክእልን። ብስሩ ኸባ ካብቲ ዝርከብ ትርፊ መንገድታት ተዘይተሰሪሑሉ ፣ ሽግር ማይ ተዘይተፈቲሑሉ ፣ ስድራ ስውኣት እንተዘይተጠዊሮምሉ ኣለዎም ካብ ምባል ወፃኢ እንታይ ተረቢሕናሉ ክንብል ንኽእል?

እቲ ኻሊእ እንሕመየሉ ኣብ ፌደራላዊ መንግስቲ ብፍላይ ከዓ ኣብ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገርን ኣብ ጉዳይ ፀጥታን ድሕሪ ዒስራን ሓሙሽተን ዓመት ኣብ ኣመራርሓ ካብ ዝግበኦም ንላዕሊ (overrepresented) ኮይኖም ዝብል ወቐሳ እዩ። ኢህወደግ ከዓ ምስቲ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ተተሓሒዙ ዝተፈጠረ እዩ ኢሉ ምኽንያት ይህብ። ብወገነይ እዙይ ኣብተን ካልኦት ኣሓት ውድባት’ውን ፅቡቕ ስምዒት ስለዘይፈጥር ኢህወደግ ገና ናብ ስልጣን ኣብ ምምፅኡ ኣብ ተራ ሰራዊት ምምጥጣን ከም ዝገበረ ኩሉ ፤ ኣብ ኣመራርሓ’ውን ኣብ ከይዲ ምምጥጣን ተዝግበር ንመፃኢ ተስፋ እታ ሀገር ፅቡቕ ይመስለኒ። ኣብ ቀረባ ዝተወሃበ ዕቤት ወትሃደራዊ ኣዘዝቲ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምኳኑ ዘተባብዕ ተርእዮ እዩ። ሓደ ሓዲኡ ትግራዋይ ንሳ ተሰዲድናያ ደኣ ፅባሕ ናባና ተገልቢጦም ተሓረዱና ኸ ካብ ዝብል ፍርሒ ዝነቐለ ይመስለኒ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣፅንዕ” ዝዓይነቱ መልሲ ክህብ ይስማዕ። ግን ከዓ እሞ ክሳብ መዓዝ ከ ኢና ኣፅኒዕና ሒዝናያ ክንከድ እንኽእል? በዝሒ ቑፅርና ኸ ይፈቕደልና ዶ? እንተ ኣነሞ ዝፈራሕካዩ ትንቢት ባዕልኻ ክበፅሕ ትገብሮ(self-fulfilling prophecy) ዝብል ነገር ከይበፅሐና ይሰግእ ፤ ትምክሕተኛታት ስልጣን እንተሒዞም ከብፅሑልና ኢዮም ኢልና ካብ ምፍራሕ እተልዓለ እንወስዶም ስጉምቲታት እቶም ዝፈራሕናዮም ነገራት ክበፅሑ ክንገብር ንኽእል ማለት እዩ። ድሕሪ 97 ኣኽረርቲ ብዝበሃሉ ሓይልታት ስልጣን ከይንምንዛዕ ካብ ምፍራሕ ዝነቐለ ይመስለኒ ትግራይ ክሰርሑ ዝኽእሉ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ካብ መቐለ እናወሰድካ ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቢሮክራሲ ክምደቡ ተራእዩ እዩ።

እሞ ኣነስ እንታይ ክብል እየ ደልየ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ሕቶ ምምጥጣን ናይ ዉሑዳት ፣ ናይ ትምክሕተኛታት እናበልና ክሳብ መዓዝ ክንከድ ንኽእል? ከምዙይ ብምግባር ከ ነቲ ኣብ ኣሓት ውድባት ዘሎ ደጋፊ ኢህወደግ ናብ ጠርዚ እናደፋእናዮ ዶ ኣይንኸድን? ኣብቲ ዝሓለፈ ጦርነታት ልዕሊ ሃገርና ጅግንነት ኣርኢና ኢና። እዙይ ማለት ግን ልዕሊ ሃገርና ጅግንነት ኣሎና ኢለ ብወገነይ ኣይኣምንን። ጅግንነት ኩነታት እዩ ዝፈጥሮ። በላሕቲ መራሕቲ ኩነታት ስሒሉ የውፀኦም እምበር መራሕቲ ኮይኖም ኣይውለዱን (Leaders are made, not born) ከም ዝበሃል እቲ ዝነበረ ወፅዓን ዓፀባን ብዙሓት ሓየልቲ ተዋጋእቲን መራሕቲን ወሊዱ እዩ። ሕጂ ግን “ግደፎም ኣበይ ኣዲኦም ከይበፅሑ” ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ዝሸገሮን ዝመረሮን ህዝቢ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ዝረስዐ ይመስለኒ። እንተ ኸማይ እቲ ሕቶ ካብ መን ተበጊሱ ዘይኮነስ ክምለስ እንተሃልይዎ እናመለስና ምስ እንኸይድ ጥራሕ እዩ ነቶም ዉሑዳት ፅንፈኛታት ንበይኖም ክንንፅሎም እንኽእል። ንዝሓተትዎ እንተመሊስና እማ ኢድና ዝተጠወና ወይ ዝደኸምና ክመስሎም እንድዩ ኢልካ ከምዘይሰማዕኻ ምፅቃጥ ግን ንኹልና ፅቡቕ ኣይመስለንን።

እቲ ትግራዋይ ከ ደኣ ነቲ ክውረ ዝኸረመ ዓብላልነት ተጋሩ ከመይ መልሲ ክህበሉ ፀኒሑ? እቲ መብዛሕትኡ ትግራዋይ ኣብ ክልሉ ዝነብርን ናብርኡ ንምሽናፍ ላዕሊን ታሕቲን ዝብል እምበር ስልጣን ዘቋምት ስለዘይኮነ እንታይ ይዉረ ኣሎ እንታይ ከ ከስዕብ ይኽእል ኢሉ ብዙሕ ዝሓሰበሉ ኣይመስለንን። እቶም ሓደ ሓደ ምስ በዓል ስልጣን ተሞዳሚዶም ብሕኸኸለይ ክሓከልካ ንብረትን ሃብቲን ዝኣከቡ ኸ ደኣ እንታይ ይብሉታ ነይሮም? ነዐኦም እማ ኣደደኦም ፤ “እቲ ትግራዋይ ይገዝእ ኣሎ’’ ዝብል ኣበሃህላ ዳርጋ ተስማዕሚዕዎም ፣ ሰብ ጊዜ እዮም ተባሂሎም ክፍርሑን ከይሕተቱን ምቹእ ባይታ ፈጢሩሎም እዩ። “ሓይሊ እቲ ዘለካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኮላይ እቲ ፀላእትኻ ኣለዎ ኢሎም ዝግምትዎ’ውን እዩ’’(“Power is not only what you have, but what the enemy thinks you have.”) እትብል ኣበሃህላ ፈረንጂ ኣዐሪያ ዝተረደአቶም ይመስለኒ። ምስይ ምስበለ ከዓ በቲ ዘይረሃፅሉ ገንዘብ ዊስኪ ዓቲሮም “መንዳንኡ ፤ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ፤ ገና ሚኢቲ ዓመት ክንገዝአኩም ኢና’’ ዝዓይነቱ ፍከራታት የስምዑታ። መብዛሕትኡ ትግራዋይ ነዛ ጎኑ ዘውድቐላ ሓንቲ ክፍሊ ገዛ ምርካብ ጨኒቓቶስ ንሳቶም ኣብ መቐለን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ወነንቲ ክልተ ሰለስተ ገዛ ኮይናቶም። እቶም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ግን ኣብ ማእኸል ሃገር ሰላም ክትርበሽ ከላ ነቲ ጥር እትብል ታዕሪፋ ዘየጫነውዎ ትግራዋይ እዮም መሸጎጢ ክገብርዎ ዝፍትኑ። በቲ ዘርአይዎ ፀያፍ ባህሪያት ንትግራዋይ ከፅርፍዎ ከምዘይፀንሑ ኣብታ መስዋእቲ እትኽፈለላ ጊዜ ክበፅሑ ከለው ነቲ ወዲ ማርያም ኵልዖ ትግራዋይ መስዋእቲ ክኸፍል ይውትውትዎ ፤ ምእንታ እቲ ስርዓት ክቕፅል እሞ ንሳቶም’ውን ከምታ ዝለመድዋ ምስራቕ ክቕፅሉ።

በቐዳማይ ሓደ ባዓልስልጣን እዩ ኢሎሞ ወለዲ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣኪቡ “ደቅኹም ናብታ ዝተመደብዋ ክኸዱ ክትሰድዎም ኣለኩም ፤ ኢድና ተጠውዩ እንልውጦ ነገር የልቦን ፤ እዚ ስርዓት ብመስዋእቲ እዩ መፅዩ ሕዚውን ዝኽፈል መስዋእቲ እንተልዩ ደቕኹም መስዋእቲ ክኸፍሉ ኣለዎም’’ እናበለ ይዛረብ። ነዚ ድሕሪ ምስማዕ ኣብቲ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ሓንቲ ዓይና ምስገበረት ኣበይ ኣለኺ ዘይተብሃለት ገዲም ተጋዳሊት ኢዳ ኣልዒላ ዕድል ምስተዋሃባ “መስዋእቲ ዲኻ ዝበልካ? ኣንታ ሕዚ ኸ ንመን ኢልና ኢና ንስወኦ? ነቲ ሃያሁለት ዘሎ ህንፃኹም ድዩ? ነተን ከም ማይ ዝፈሳ መኻይንኩም ድዩ? ወይስ ነተን ዱከም ዘለዋ ፋብሪካኹም? ኧረ ንመን ኢሊና ኢና ንስዎኦ? ሕጂውን ዓሻ ትግራዋይ ዘሎ ድዩ ዝመስለኩም? ሕዚውን ደቀይ ከስውኡልካ ደሊኻ? ደፋር’’ ክትብል ልክዕ ልክዑ ተዛሪባቶ ኢሎማ።

ከም ናተይ ኣተሓሳስባ ትግራዋይ ብመንነቱን ብህልውንኡን ንዝመፅዎ ዝደራደር ፣ እታ እትኽፈል መስዋእቲ ካብ ምኽፋል ንድሕሪት ዝብል ህዝቢ ኣይኮነን። ዉሑዳት ጓሓሉን ላማ ኢዶምን ኣብ ስልጣንን ሃፍተ-ገነትን ንኽፀንሑ ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ክኸፍል ክሕተት ከሎ ግን “ይርዳእኹም’’ እዮ ክብሎም። በቐዳማይ ድሕሪ ኣብቲ ሀገር ዝተፈጠረ ሰፊሕ ዕግርግር መራሕቲ ህወሓት ኣብ መቐለ ግምገማ ሒዞም ከለው ሓንቲ ደሓን ኣተሓሳስባ ኣለዋ ኢለ ዝሓስባ ዝነበርኩ ቆልዓ “ምትኽኻእ ዝብልዎ ነገር ክንፅበ የብልናን ፤ ኣደዳ ፀላእትና ከይንኾን’’ ዝብል ፅሒፋ ኣንበብኩ።’’ ከምቲ ናታ ኣተሓሳስባ ፀላእትናያ ደስ ከይብሎምስ ተኣጃጂልና ተኻኣኢልና ንኺድ ማለታ እዩ? እሞ ከምኡ እንተልሚድናዮም ደኣ ኩሉ ጊዜ ፀላእቲ እናፈጠሩ ንሕና ኢና መድሕንካ እናበሉ ዝንተ ኣለም ኣብታ ኮርቻ ስልጣን እንዶ ቸቸ ክብሉና። “መለበሚን ኣይግበርካ ፣ መለበሚን ኣይኽእላእኻ’’ ከምዝበሃል ኣብዙይ ካብ ኤርትራውያን እንመሃሮ ነገር ክህሉ እዩ። መንግስቲ ሻዕቢያ ኣብቲ ሃገር ንዝተልዓሎ ሕገ-መንግስቲ ይተግበር ፣ መሰላት ይተሓሎ ዝብል ሕቶ ከይምልስ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ኣኽፊልዎም እዩ። ድሕሪኡ’ውን ለውጢ ንኽግበር ዝሓተቱ ሰበስልጣናት ኣብ ሃሩር እስር ቤት ደርብዩ ውልቀ መላኺ ስርዓት ተኺሉ እዩ። ነቲ ዜጋ’ውን “ዓድና ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ ፤ ዲሞክራሲ ናይ ሕንቁቓት እዩ’’ ብዝብል ቀፃሊ ብዝኾነ ፕሮፓጋንዳ ኣእምሮኦም ሓፂቢዎ እዩ። ክሳብ ሕጂ መናእሰያት ኣብ ውትድርና ዕድሚኦም ወዲኦም ፣ ብሰሃራ በረኻ ኣቋሪፆም ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣትዮም’ውን ናይ ጣዕሳ ቅጥዒ መሊኦም ፣ ካብ እቶቶም ክልተ ካብ ሚኢቲ እናኸፈሉ ዕድመ እቲ ስርዓት የናውሕሉ ኣለው።

እሞ እቲ ትግራዋይ ደኣ ኣብዛ ፈታኒት እዋን እንታይ ይግበር? እቲ ሓደ ክገብሮ ዘለዎ ኮይኑ ዝስመዓኒ እቶም ብስሙ ዝሽቅጡ ፣ ሃፍቲ ዘዋህለሉን ፣ ፈቖዶ መሸታ ቤት መን ከማና እናበሉ ንትግራዋይ ፅልኢት ዘትርፍሉ ግለሰባት ኣደብ ከግዘኦም ኣለዎ። ካልኣይ “እቲ ሽግር በቲ ነቲ ሽግር ዝፈጠረ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ክፍታሕ ኣይኽእልን” (“Problems cannot be solved with the same mind set that created them.”) ስለዙይ እዩ ከዓ “ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ” ክበሃል ዘለዎ። እቲ ሽግር ምስ ምሁራት ፣ ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ተማኺርካ ፍታሕ ክናደየሉ ይግባእ። ከምቲ ቕድሚ ሕዚ ዝተለምደ ናይ ተሃዲስና ኢና መግለፂ (ዶ ወይስ ላግፂ?) ጥራሕ ክሰምዕ ክእክብ ዝደሊ ሰብ ዘሎ ኮይኑ ኣይስመዓኒን። ጭራሽ ኣብ ቀረባ እዋን እማ ካፍታ መዋጥር መዋፅእ ትፈጥረሎም ግዲ መሲልዋቶምስ “ትግራዋይ ፀቢብነት የጥቅዖ እዩ” ኢሎም ነቲ ትግራዋይ ዘይወዓለሉ ሓጢኣት ከሸክምዎ ክፍትኑ ተራእዮም እዮም። እቲ ሕዚ መፅዩ ዝኒሀ ሽግር በቶም “ዝረብሐካ ንሕና ንፈልጥልካ” (We know what is best for you) ዝብሉ ውሑዳት ሰባት ክፍታሕ ኣይኽእልን። ደጊም ኣሚንካ ንካልኦት ዝግደፍ ነገር የልቦን ፤ ኩሉ በታ ዝኽእላ ኢዱ ክሓውስ ኣለዎ በሃላይ እየ።

እቲ ዓብላልነት ተጋሩ ዝበሃል ዘሎ እውን ኣብ ባይታ ኣሎ ድዩ ወይስ ኣብ ርእሲ ፀላእትና ዘሎ (Perception) እዩ ዝብል ግልፅን ሰፊሕ ምይይጥ ክግበረሉ ይግባእ በሃላይ እየ። ሱቕ ኢልና “ሕቶ ውሑዳት ትምክሕተኛታት እዩ” “ተቓሊስና ዝሰዓርናዮም እዮም” ዝብል ተደጋጋሚ መግለፂታት ምውፃእ ጥራሕ ግን መፍትሒ ዝኸውን ኣይመስለንን። እቲ ሕቶ ኣብቶም ዝተኻየዱ ሰልፍታት ህዝቢ ካብ ዘልዐሎም ሕቶታት ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ኢህወደግ ኣሓት ፓርትታት ከም ዘልዐልዎ ጭምጭምታ ምስ ምህላዉ እዚ ጉዳይ ዕቱብ ምይይጥ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዐኒ። እተን ትግራዋይ ሕልፊ ተሸይሙለን እዩ ኢሎም ዝሓስብወን መስሪያ ቤታት (ከም እኒ መከላከያን ደህንነትን) ዝምልከት ተዘራሪብካ ዝስተኻኸለሉ ግልፂ ናይ ጊዜ ሰሌዳ ክወፀሉ ይግባእ። እዙይ ብምግባርና ጠገለ ዘይብሉ ሕቶ ኣኽረርቲ ዳያስፖራ ሙሉእ ብሙሉእ ይምለስ ማለት ኣይኮነን። እቶም ውሑዳት ፅንፈኛታት ተቓወምቲ ንኽንፀሉን እቲ ማእኸላይ (moderate) ተቓዋሚ ከዓ ጠርዚ ከይሕዝ ክሕግዘና ግን ይኽእል እዩ። ኣብ ሞንጎ ኣሓት ፓርቲ ኢህወደግ’ውን ምምጥጣንን ምትእምማንን ምስ ዝሰፍን ኢህወደግ መሪሕ ሰላምን ልምዓትን ኮይኑ ናይ ምቕፃል ዕድል ክህልዎ እዩ። ዓርሰ-ፈተሻ (soul-searching) ከይገበርካ ነዛ ሕቶ ዘልዐሉ ኩሎም ካርዲ ዘርኣውነት እናመዘዝካ ናይ ወፃኢ ኣጀንዳ መፈፀምቲ ፣ ተለኣኣኽቲ እናበልካ ሸፋፊንካያ ክትከድ ምፍታን ግን ነዊሕ ኣይከዛልቕን።

እተን ኢምፓየር ንግዲ ሃኒፆም እዮም እናተበሃልና እንሕመየለን ዘለና ትካላት ትእምት ኣብ ክልልና ብምኳነን እቲ ህዝቢ ካብ ዕድል ስራሕ ወፃኢ ብምንታይ ኢዩ ተረቢሑ? እተን ትካላት ካሊእ ትካላት ዶ ወሊደን? በቲ ዝረኽበኦ ትርፊ ኸ ፅርጊያ ዶ ተሰሪሕዎ ፣ ሆስፒታል ወይስ ቤት-ትምህርቲ ዶ ተሃኒፅሉ ፣ ወይስ ስድራ ስዉኣት ተሓብሒቦምሉ? ትካላት ትእምት ከመይ ከም ዝመሓደራን ህዝቢ ከመይ ካብ ትርፈን ተረባሓይ ከም ዝኾነን ክንሓትት ይግባእ። ኣብ ኢድ ፌደራላዊ መንግስቲ ተዝኾናስ እቲ ዕድል ስራሕ ናበይ ዶ ክኸደና ነይሩ እዩ? በይኖም ይበልዑ ኣለዉ ዝብል ሕሜት እንድኣ እዩ ክቐርየልና ነይሩ።

እተን ትካላት ትእምት ብሰበስልጣናት ህወሓት እየን ዝምርሓ ዘለዋ። ግን ክሳብ መዓዝ እየን ግልፅነት ብዘይብሉን ህዝቢ ብዘይሳተፈሉን መንገዲ እናተመሓደራ ክቕፅላ። ንሰበስልጣን ህወሓት ዓቢ ክብሪ ኣለኒ ፤ ኮይኑ ግና ሰባት እዮም እሞ ገንዘብ ከስደዖም ስለዝኽእል ኣብ ገንዘብ ጉዳይ ግልፅነት ክህሉ ይመርፅ። እዛ ሕቶ ኣብ መብዛሕትኡ ኣኼባታት’ውን ክትለዓል ትጅምር ኣላ እያ። ኣብቲ እዋን ቃልሲ ዝነበረ ሚስጥራዊነት ክሳብ ሕጂ ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ዝቐፀለ ይመስለኒ። ብስሩ ኸባ እተን ትካላት ናይ ህዝቢ ትግራይ እየን እናበልካ ክሳብ መዓዝ እየን ርስቲ መራሕቲ ህወሓት ኮይነን ክቕፅላ? ኣመራርሓ እተን ትካላት ብተኣማኒነት ጥራይ ዘይኮነስ ኮላይ ብቕዓቶምን ኣፈፃፅምኦምን እናተረኣየ በብግዚኡ ዝምረፅሉን ዝትክእሉን መስርሕ ከ ክህሉ የብሉን ድዩ? ነቶም መራሕቲ ህወሓት ዝወለደት ማህፀን እኮ ምውላድ ኣየቋረፀትን። እኳ ደኣስ እኹል ፍልጠት ዝሰነቑ ፣ ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተላለዩ ደቂ ተፍሪ ኣላ ፤ እንተኾነ ግና ኣበይ ኣለኹም ኢሉ ኣተኣላሊሹ ተረከብቲ ስልጣን ክኾኑ ዘዳልዎም ደኣ ዝረኸቡ ኣይመስሉን እምበር። ሓዱሽ ወለዶ ከምዝመፀ ፈተና ኣይፈተና ክንቅበል ዘለና ይመስለኒ። ኣርብዓ ዓመት ኣብ ፖለቲካ ኣይቀሊልን። ደጊምስ ምስ ስልጣን ሞት እዩ ዝፈላልየና (til death do us part) ዝብል ፍልስፍና ገዲፍኩም ፣ ዝሰራሕኽምዎ ታሪኽ ከየበላሸኹም ፣ ተካእቲ ኣፍሪኹም ስልጣንኩም ንህዝቢ ኣረኪብኩም ፣ ንዝወዓልክምዎ ሓጢኣት ናብ ቤተ-እምነትኩም ኬድኩም ንስሃ እንተትኣትዉ ይምረፅ።

ሓደ ዘይከሓድ ነገር ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ሃገሩ መስዋእቲ ከፊሉ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን ነዛ ሃገር ብተነፃፃሪ መልክዑ ሰላምን ልምዓትን ክዓስላ ገይሩ እዩ። ድሕሪ ሕዚ ግና ነቲ ቆይሙ ዝኒሀ ሕገመንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓት ማዕረ እቶም ካልኦት ህዝብታት እዩ ክሕለቐሉ ዝግባእ። ደጊም ማዕረ ንእትብፀሐናን ማዕረ ንእጥቀመላን ዓዲ ማዕረ መስዋእቲ ኢና ክንከፍለላ ዝግባእ ኢለ ይኣምን። ከምዙይ ክብል ዘኽአለኒ መብዛሕትኡ ኣብ ማእኸል ዓዲ ከባቢ ዝነብር ትግራዋይ ዋላ ፍሉይ ዝርበሐሉ ነገር ኣይሃሉ ምስ ስርሑ ጎኒ ንጎኒ በብኸባቢኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ካብ ካልኦት ህዝብታት ብዝተፈለየ መልክዑ ክነጥፍ ምርኣይ ልሙድ ስለዝኾነ እዩ። ነታ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ ዘቕነዓ ዓዲ ከይትፈርስ እናሰግአ ግዲስ ኣሚኑ ኣብ ኢድ ካልኦት ምግዳፍ እናኣበዮ ይመስለኒ። ኮይኑ ግና ድሕሪ ሕዚ ዋላ ብሙከራን ስሕተትን (Trial and

error) ይመሃርዋ ደኣ እምበር እታ ብፅሒትና እናገበርና እቶም ካልኦት ብፅሒቶም ክገብሩ ኣሚና ክንገድፈሎም ይግበአና በሃሊ እየ።

ኣብ ወፃኢ እናሃለኹ ዘጓነፈኒ ነገር ክጠቅስ። ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዑደት ስራሕ ክገብር ስለዝመፅእ እግረመንገዱ ኢትዮጵያውያን ኣኪቡ ከዘራርብ ይደሊ። ኣብቲ ወፃኢ ዓዲ እቶም ኣኽረርቲ ዳያስፖራ ፈቖዶ ኣኼባታት እናኸድካ ምርባሽ ስራሕና ኢሎም ስለዝሓዝዎ ንሶም ከይሰምዑ ተባሂሉ መዓልቲ እታ ኣኼባ ብሚስጥር እያ ተታሒዛ።

መፀዋዕታ ውሽጢ ውሽጢ “ንእትፈልጥዎምን ንትኣምንዎምን ንገሩ’’ እናተብሃለ ሰብ ክፅዋዕ ቀንዩ ፤ መዓልቲ ኣኺሉ ናብቲ ኣኼባ ቦታ ንኸድ። እቲ ኣኼባ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ምባል ይከኣል ትግራዋይን ሶማሌን ዝተረኸብዎ እዩ ነይሩ። ኣነ ዳርጋ ሓፊረ እየ ዝብለኩም። ሓንቲ ናብቲ ኣኼባ በበይ ሸሊኳ ከምዝኣተወት ዘይተፈለጠት ካብ ካሊእ ብሄር ዝኾነት ሰበይቲ ሕቶ ኣለኒ ኢላ ዕድል ተባሂብዎ። “ብስሩባ ኣኒ ዝገርመኒ’’ በለት “ንምንታይ እዩ ትግራዋይ ጥራሕ ነዚ ስርዓት ላዕሊን ታሕትን ዝብለሉ’’ ኢላ ሓተተት። ብዝተወሰነ መጠን ሕቶኣ ሓቅነት ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ኩሉ ዓድታት ከምዙይ ኣብ ዝበሉ ኣኼባታት ዳስ መሳሰይቲ ንሕና ጥራሕ ክንኮን ኣይንኽእልን። ኩሉ ዜጋ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ዝኾነ ፈላሊና ክንፅውዕ ከዓ የብልናን በሃሊ እየ። ናይ ፀጥታ ስግኣት እንተሃልዩ’ውን ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ተዘራሪብካ ናይ ፀጥታ ሰራሕተኛታት ክምደበልካ ትገብር እምበር መብዛሕትኡ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ዘይተሳተፎ ኣኼባ ኣካይድካ ደሓር ክስቶ ዝበሃል በዓል ስልጣን ኢትዮጵያውያን ኣኪቡ ኣዘራሪቡ ተባሂሉ ብቴሌቪዥን ክፅብፀብ ክሰምዑ እንተለው እንታይ ይስመዖም? ኣብ ከምዙይ ዝበሉ ነገራት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓይኒ ከይኣቱ ጥንቃቐ እንተዝግበር ፅቡቕ ይመስለኒ።

ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መስዋእቲ ካብ ዝኸፈለሉ ስርዓት ሕልፊ ክጥቀም ዘይምባሉ ክንደየናይ ስልጡን ህዝቢ ምኳኑ ዘርእይ እዩ። ሓደ ሓደ ሕድሮም ዝረስዑ ሰበስልጣናትን ዘይረሃፅሉ ሃፍቲ ዘቛምቱ ሰብ ሃፍቲን ዝገብርዎ ነገር ግና ነቲ ገና ካብ ድኽነት ክወፅእ ሒኹ ዝብል ዘሎ ትግራዋይ ዘየድሊ መስዋእቲ ከየኽፍልዎ ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ። ህወሓት ምስቶም ካልኦት ኣሓት ውድባት ኢህወደግ እናተዘራረበ ፍትሓዊ ክፍፍል ስልጣንን ፣ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ክህሉ እንተዝገብር ፣ ቀስ ብቐስ ከዓ ሓደ ግንባር ናብ ምኳን ዝኸድሉ መንገዲ እንተዝፈጥሩ እቲ ናይ ብሄር ውጥጥ ከህድኦ ይኽእል እዩ ኢለ ይሓስብ።

ናይ ክስቶ ብሄር ገዛኢ ደርቢ ዝበሃል ኣበሃህላ (ብዝተወሰነ መልክዑ ህወሓት ኣብ ቃልሲ ዝተጠቐመላን ሕዚ ከዓ ባዕሉ ዝኽሰሰላ ዘሎን) ኣበሃህላ ስሕተት ይመስለኒ። ኣቱም ሰባት ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ እዛ ሃገር ዉሑዳት ሰባት (ወይ ከዓ ቤተ­ሰባት) ብህዝቢ ስም ወነንቲ ስልጣንን ሃፍትን ኮይኖም ፀንሑ እምበር እቲ ዝተረፈ ህዝቢ (ካበየናይ ብሄር ይወለድ ብዘየገድስ) ምሳሕ በሊዑ ድራር ርግፀኛ ዘይኾነሉ ፣ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ናብራ እዩ ክደፍእ ፀኒሑ። እዙይ ረሲዕና ገዛኢ ደርቢ እገለ ብሄር ዶ ክስቶ ብሄር እባ እናተበሃልና እናተኻሰስና ምስ እንኸይድ እቲ ተርኡ ዘይበፀሖ ከዓ ልቕሑ ክመልስ ኣብ ዘይዛሪ ጦርነት ኢና ክንነብር። ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ እዛ ሃገር’ውን ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ፀቕጢ ምግባር ክሓዊ ዝበለ ቁስሊ ምንኽኻእ ከይኾን ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ። ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ ከም ኢትዮጵያውያን ዝበሉ ብታሪኽ ዝሰኸሩ ህዝብታት ኣብዛ ዓለም ዉሑዳት እዮም ይብል (”There are few people as obsessed with history as Ethiopians.”) ታሪኽ ክንዝክር ከለና ከዓ ኣካይዳና ትምህርቲ ንምውሳድ ዘይኮነስ ረጋፂ ፣ ተረጋፂ ፣ ገዛኢ ፣ ተገዛኢ እናበልካ ብህዝቢ ስም እናነገድካን ቅርሕንቲ እናፈጠርካን ስልጣን ንምሓዝ ወይከዓ ዕድመ ስልጣንካ ንምንዋሕ እዩ ዝመስል። ጆን ሶረንሰን ዝተበሃለ ምሁር “ሕሉፍ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዘዋጥጥ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ” ምስበለ “ታሪኽ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መመሪፅካ ትዝክሮ ፣ ኣድልዩካ ትርስዖ ፣ ሓደ ሓደ ሻብ ከዓ ካልኦት ኣግሊልካን ኣፎም ዓፂኻን ናይ ባዕልኻ ገዛኢ ነበረያነበረ እትፈጥረሉ ከይዲ እዩ” ይብል። (”Ethiopia’s past has become in recent years a particularly contested terrain. Selectively remembered, conveniently forgotten, or sometimes invented to the exclusion and silencing of certain voices and substitution of a hegemonic mythology.”)

መራሕትና’ውን ድሕሪ ሕዚ ታሪኽ ተደሪሩ ዝሓድር ትግራዋይ ከምዘየለ ክፈልጡ ይግባእ። መብዛሕትኡ ህዝብና ትሕቲ ሰላሳ ዕድመ ዝርከብ ፣ ግፍዕታት ደርጊ ዘይዝክር ምስቲ ምኳኑ ድሕሪ ሕዚ ዝግምግመኩም ‘‘ካብ ደርጊ ዘናገፉና’’ ብዝብል ዘይኮነስ ካብ ድኽነት ንኽንናገፍ እንታይ ሰሪሖምልና (deliver ገይሮምልና) ብዝብል እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን እቲ መንእሰይ ታሪኹ ይረስዕ ማለተይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ዝምጥን ፍረ መስዋእቲ እንተስተማቐረ እዩ እምበር ታሪኽ ጥራሕስ ምሳሕ ዋላ ድራር ኣይኾኖን። ሌ/ጄ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ’ውን ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ፅቡቕ ምኽሪ ሰው ኣቢሎምልና እዮም: “ኣብ ዓድና እንገብሮ ስራሕ እዩ እቲ ከዛልቐና ዝኽእል። ብዛዕባ ሕሉፍ ቃልስና ጥራይ እናተዛረብና እንተነቢርና ክንፎክስ ኢና። እናተወደአ እዩ ከኣ ዝኸይድ። እናተወደአ ዝኸይድ ምኳኑ ይረአ ኣሎ።”

እዛ መፅያትና ዘላ ፈተና እንሳገራ ናይ ክስቶ ጉጅለ ዶ ናይ እገለ ጉጅለ እባ ተባሃሂልና ከይተፈላለና ፣ ተላዚብና ፤ ነታ ንቕድሚት ክትስጉም ጀሚራ ዝነበረት ዓዲ ንድሕሪት ከይትምለስ ምስ እንገብር ጥራሕ እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፈተንቲ እዋናት ዘይስገሩ እኳ እንተመሰሉና ብደንቢ ተተጠቒምናሎም ግና ጌጋታትና ከእርሙና ፣ ሓድነትና ከስጥሙን ተሳሒልና ክንወፅእን ዝገብሩና ብእንግሊዝኛ a blessing in disguise (ወይ ከዓ ብኣምሓርኛ “ሳይደግስ ኣይጣላም’’) እንብሎም ዓይነት ኣጋጣሚታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

************

ጎይቶም ተፈሪ ይበሃል። ‘‘ፖለቲካን ኮረንቲን’’ ዝበሃል ኣበሃህላ ኣብ ደመይ ዝኣተወኒ ፤ እዛ በፂሕናያ ዘለና ወሳኒት ግዘ ግና እዛ ፅሕፍቲ ክፅሕትር ዘገደደትኒ ትግራዋይ እየ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ ሰብ ዘይደፍሮ ኣርእስቲ እንተደፈርኩ’ውን ከም ዓቢ ድፍረት ኣይትቑፀሩለይ -እዋናዊ ዛዕባ እናልዐልና በዛ ትግርኛና ብግልፂ እንተተላዘብና ተረባሕቲ ኢና ካብ ዝብል ሰናይ ድሌት ተበጊሰ እየ። ፀርፊ-ኣልባ ሪኢቶኹም [email protected] ኢልኩም ተትሰዱለይ ደስ ምበለኒ።

Guest Author

more recommended stories