ጀ/ል ፃድቃን – ናይ መፍትሒ ሓሳባትን ንዘቕርቡ ሰባት ከም ፀላእቲ ምርኣይ ዝጠቅም ኣይመስለንን

ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኢታ ማጆር ሹም ነበር ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቪኦኤ ብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ:-

* ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብሰላማውን ዴሞክራሲያዊን ኣገባብ እንተድኣ ዘይተታሒዙ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክወስዳ ከምዝኽእል ምልክት ዘርኣየ እዩ ኢሎም።

* ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ቁጥዕኡ ክገልፅ ኣብ ዝወፀሉ ካብ ኩሉ ወገን ህይወት ምጥፍኡን እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓደ ህዝቢ ፅልኣት ምትኳሩን ብፍላይ ድማ ኣብ ጎንደርን መተማን ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ምጥፍኡ ዘሕን እዩ ኢሎም። ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብሰላምውን ዴሞክራሲያዊን ኣገባብ እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ነታ ሃገር ናበይ ክወስዳ ከምዝኽእ ዝሕብር እዩ ኢሎም

* ብኣግባብ እንተድኣ ዘይተኣልዩ ብሕገ መንግስታዊ ኣገባብ እንተድኣ ዘይትኣሊዩ ናይ ሓደ ውድብ ምህላውን ዘይምህላውን ከይኮነስ ከም ዓዲ መጠን እውን ህልውንኣ ኽቕፅል ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሎም።

* ቅድሚ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ምንባሮም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ህውሓት ከምኡ እውን ኣባል ፈፃእሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝነበሩ ጀነራል ፃድቃን ‘’ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ብሰንኪ እናፀበበ ዝመፀ ናይ ዴሞክራሲያዊ ሃውህው እዩ’’ ኢሎም። ብምቕፃል ‘’ናይዛ ዓዲ ናይ ኢኮኖሚ ስርዓትን ኣካይዳን ናይ ሰባት ፖለቲካዊ ጠባይ መልክዕ መትሓዚን መግዝእን እዩ ኮይኑ’’ ኢሎም።

* ኢህወዴግ ብዝተወሰነ ደረጃ እውን እንተኾነ ናይ ባዕሉ ፀገማት ምርኣዩ ከም ሓደ ኣወንታ ዝርአ’ዃ እንተኾነ ናይቲ ሽግር መሰረታዊ ፀገማትን ፍታሕን ዝርኢ ዘሎ ኣይመስለንን ኢሎም።

* ካብናይ ሓደ ውድብ ዓቕሚ ንላዕሊ ስለዝኾነ መንግስቲ ስርሑ እናቐፀለ ከሎ እጀታ ኣለና፤ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ ዝብሉ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ወገናትን ኮፍ ኢሎም ብሓባር ክፈትሕዎ ኣለዎም ይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ለቴናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

* እቲ ሕዚ ዘሎ ዕግርን ዓመፅን እናበርትዐ ከይዱ መንግስቲ ካብ ዝቆፃፀሮ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ናይ ምቕፃልን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ኢዶም እንተድኣ ኣእትዮምሉ መንግስቲ ከም መንግስቲ ዓዲ እናመሓደረ ክቕፅል ዘይኽቕለሉ ኩነታት ክሳብ ምብፃሕ ክኸይድ ይኽእል እዩ ይብሉ ጀነራል ፃድቃን። ‘’ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ብዘለኒ ሓበሬታ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጡ ውሱን ምምሕያሽ ብምግባር ዝቕፅል እዩ ዝመልስኒ። እዚ ዘላቒ ሰላም ከምፅእ እዩ ዝብል እምነት እውን የብለይን’’ ኢሎም።

* ኣብኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓሳብ ንዘቕርቡ ሰባት ከም ፀላእቲ ምርኣይ ‘’ዝገደደ ፃልኢ ንምምፃእ ዝጠቅም እምበር ነቲ ህዝቢ ዝጠቅም ኣይመስለንን’’ ይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

* ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፣ መንቀሊኦምን ናይ መፍትሒ ሓሳባትን ብዝምልከት ፅሑፍ ብምቕራቦም ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ መልሲ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓሳብ ብሓስብ ምምላስ ከምፃልኢ ምርኣይ ሃናፂ ኣይኮነን ኢሎም ጀነራል ፃድቃን።

* ብኻሊ ወገን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ‘’ምስ ኤርትራ ዘይተዛዘመ ኲናት ኣለና’’ ዝበሉዎም መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ‘’እዚ ኣይሰላም ኣይኲናት ዘሎ ኩነታት ንምግላፅ እዩ’’ ምስ በሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንእሽተይ ምኽንያት ክረክብ ከሎ ክባራዕ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፆሮና ዝነበረ ቶኽሲ ኣብነት እዩ ኢሎም።

——–

ሙሉእ ቃለ-መጠይቅ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

******** 

Read articles and interviews of General Tsadkan

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories