ህወሓት ግዳይ ኣጀንዳ ካልኦት ይኸውን ኣሎ – ውልቃዊ ርኢቶ!

1/ መእተዊ

ኣብዚ ጽሑፍ ብኣዴን ንብሎ ዘለና እቲ ኣብዚ እዋን ብሓይሊታት ትምክሕቲ ተጨዊዩ ካብ መትከላዊን ህዝባዊን ኣተሓሳስብኡ ተቦቂሱ መገዱ ሲሒቱ ዘሎ ውድብ እዩ። እዚ ውድብ ውሑዳት ግን ተበዓት ተጋደልቲን ከምዝነበሩዎ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ናይ መሪሕነት ምትኽኻእ ከይዲ ግን ከምቶም ካልኦት ኣባል ኢህወዴግ ውድባት፣ ብፍላይ ድማ ከም ህወሓትን ኦህዴድን፣ ካብ ጥንካርኡ ድኽመቱ ናጎልሀ ከይዱ ቐስ ብቐስ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ኩሉ ግንባራት (ዕጥቃዊን ፖለቲካዊን) ዝተስዓሩ ሓይሊታት ኢድ ወዲቑ ናቶምን ኣዘዝቶምን መደብ መፈጸሚ ኮይኑ ዝርከብ ሓይሊ እዩ። እዚ ሓጺር ጽሑፍ እውን ኣብቲ ዝተጨወየ ብኣዴንን ብድሌቱ ናቱ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህወሓትን ዘቕንዐ ኮይኑ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መስርሕ ዘለዎም ባህሪያትን ጉዳይ ”ጽቢብነትን” ድማ ቐንዲ ዘትኩረሉ ዛዕባ ይኸውን። ኣስተውዕሉ እዚ ጽሑፍ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትግራይ ዘለዎም ፖለቲካዊ ባህሪያት ኣይጥምትን።

2/ እቲ ሽግር ኣመዓባብልኡን

ኢህዴን/ብኣዴን ብሓደ ወገን ምስ ኣመሠራርትኦምን እስካብ ደርጊ ዝወድቕ ዝነበሮም ኩለመደያዊ ዓቕሞምን ዝተተሓሓዘ ዝሓደሮም ናይ ታሕተዋይነት ስምዒት ዝነቅል፣ ብኻሊእ ድማ ብሓይሊ ትምክሕቲ ኣብ ልዕሊ ኢህዴን/ብኣዴን ህወሓትን ዝንዛሕ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ፀለመ ዘሕደረሎም ከቢድ ፅልዋ ንህወሓት ከም ሓብሒቡ ዘዕበዮ መሓዛ ውድብ ዘይኮነስ ከም ስግኣት ምርኣይ ካብ ዝጀምር ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። እቲ ዝሓደሮም ናይ ታሕተዋይነት ስምዒት ኣብ ስግግር እዋን ምምጥጣን ብዝብል ኢህወዴግ ዘውጽኦ ቕኑዕ ዕላማ ዝነበሮ መደብ ህወሓት ተጋደልቱ ብዘሕዝን ኣገባብ እንትብትንን ኣብ ከተማ ዝረኸቦም ሙሁራት ትግራዎት እውን ብጥርጣረን ተበላፃይነትን (opportunist) ዓይኒ እንትሪኦምን ኢህዴን/ብኣዴን ብኣንፃሩ ካብ ዓዲ ውሽጢን ወፃኢን ሰቦም ብምእካብ ናብ መንግስታዊ መዋቅርን ውድቦምን ብምእታው ነቲ ኩለመደያዊ ድኽመቶም ክሃንፁን ምስ ህወሓት ዝነበሮም ናይ ዓቕሚ ኣፈላላይን ንምጽባብ ዝጽዕርሉን ኩነታትን እዩ ነይሩ። እዚ ፃዕሮም ትኽክለኛን ሓደ ውድብ ክገብሮ ዝግባእን እዩ።

እዚ ዝገብሩ ዝነበሩ ተወላዲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ መንግስታዊ መዋቅር ስለዘይነበረ ኣይኮነን። እኳ ድኣስ እቲ ሕሉፍ ስርዓት ዝገደፎ መንግስታዊ መዋቅር ዳርጋ ኩሉ ንሶም ዝተቖፃጸሩዎ ከምዝነበረ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ብርግጽ ዋላ ካልኦት ብሄራት ንምፅንባር ዕድል እንተረኸቡ እቲ ኣብ መንግስታዊ መዋቅር ዘሎ ዓብላልነት ብሄር ኣምሓራ ሎሚውን ቀጺሉ እዩ። እቲ ጭቡጥ ሓቂ ከምኡ እእንዳሃለወ’ውን ግን ተገሊልና፣ ተዓብሊልና፣ ኩሉ ትግራዋይ ተቖጻጺሮዎ ወዘተ ዝብል ዘየቋርፅ ኣንጸርጽሮትን ኣብ ሓደ ብሄር ዘተኮረ መጸለምታን ከም ስትራቴጂ ሒዞም ክሰርሑን ጸንኒሖምን ይቕጽሉን ኣለዉ። ”ብልጥ ልጅ እየበላ ያለቅሳል” ዝብሉዎ ከምዚ እዩ። ኣብዚ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ምውጋድን ብዓይነቱ ዝተፈለየ ሓዱሽ ስርዓት ኣብ ምትካልን ዘይትካእ ተራ ዝነበሮም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከም ስግኣት ስለ ዝራእዩዎም ቐንዲ ተሓታትቲ ብምግባር ዓብላልነት ንኸይህሉዎ ጥራይ ዘይኮነስ ነጺሎም ንኸውቕዑዎ እውን ብቕጥታን ብተዘዋዋሪን ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ከምዚ እንዳሃለወ መሪሕነት ህወሓት ኣብ 1993 ዓ.ም ብዘጋጠመ ናይ ምግማዕ ከይዲ እቲ ሓደ ወገንን ብጸቢብነት፣ምብስባስን ምብልሻውን እንትኸስስ እቲ ካሊእ ድማ ብትሕተ ሃገራዊነትን ተምበርካኺነትን ብዝብል ክሲ ውጥጥ ተፈጢሩ ፍርቂ ሓይሊ ሰቡ ካብ መድረኽ ፖለቲካ ምርጋፉ ዝዝከር እዩ። እዚ ናይ ምግማዕ ኩነታት ኣብ ላዕሊ እንተይተሓጸረ ናብ ታሕተዋይ መሓውራቱን እስካብ ወፃኢ ዝርከቡ ካልኦት ውዳበታቱን ደገፍቱን እውን ወሪዱ ምክፍፋል ብምፍጣሩ እስካብ ሎሚ ዘይሕከም ነቓዕ ፈጢሩ ይቕፅል ኣሎ። ብኣንፃሩ ኣፍቲ እዋን ዝነበረ ኢህዴን/ብኣዴን ፣ ብፍላይ ድማ ንቲ ብውሽጣዊ ድኽመትን ግዳማዊ ተፅዕኖን ናተጸለወ ዝጥጥዕ ዝነበረ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ፣ ዓብዪ እፎይታ ዝፈጠረ እዩ ነይሩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን።

ዝኾነ ኾይኑ ኢህዴን/ብኣዴን ብቲ ዝተፈጠረ ኣጋጣሚ ምስቲ ዝሰዓረ ሓይሊ ህወሓት ወጊኖም (ዳሕራይ ብታርኡ እስካብ ዝደፍሩዎ) ከም ድሌቶም ዝጭድርሉን ኣፎም ከፊቶም ሕልፊ ዝዛረብሉን ኩነታት ተፈጢሩ። ኣብዚ ከይዲ እዚ ኢህዴን/ብኣዴን ኣብ ውሽጦም ዘሎ ግዕዝይናን ኣፈላላይን ብብልሓት ዓቢጦም ብምቕፃልን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሓደሽቲ ኣባላት ዘፍርየሉ ኩነታት ኣጠናኺሮም ብምስራሕን ሕሙምን ጥዑይን ብዘይ ኣፈላላይ መልሚሎም ኣብ ውድቦም ኣእቲዮም እዮም። ኩሉ ፃዕሮም ንህወሓት ንምውድዳር እምበር ኣብ ጽሬት ተገዳስነት ከም ዘይነበሮም ዝተረድኡ ”ኢህኣዴግን መታገል ኢህኣዴግ መስሎ ነው” ዝብል እምነት ዝሓዙ ጸረ ብዙሕነት ሓይሊታት እውን ናፍቲ ውድብ ንኽኣትዉ ጥጡሕ መገዲ ከፊቱሎም እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ንቲ ምስ ድኽመቱ ግን ብኣንፃራዊነት ኣብ መትከሉ ዝነበረ፣ ገሊኡ ሀዚ’ውን ኣብ መትከሉ ዝርከብ ብዕጥቃዊ ቓልሲ ዝመጽአ መሪሕነት ብኣዴን ካብ ምዕብላል ሓሊፎም ቀስ ብቐስ ንቲ ውድብ ኣብ ቁጽጽሮም ዘእትውሉ ከነታት ስለዝተፈጠረ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ መሓውራት (መከላከያ፣ ደህንነት፣ ሚዲያን ኤምባሲታትናን ከይተረፈ)ሕቡእ ምውድዳብ እስካብ ዝገብሩ ምኻዶም ኣብ ቅንጅት እዋንን ድሕሪኡን ተራኢዩ እዩ። ድሕሪ ምብታን ቅንጅት፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ሕልፈት ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ ድማ ገዊዶም ወጺኦም ንቲ ነባርን ፅኑዕን ዝነበረ መሪሕነት ብኣዴን ናብ ድሌቶም ዝቓንዩሉ ኩነታት በፂሖም ትምክሕቲን ፀቢብነትን ቐንዲ መትከል እቲ ውድብ ኮይኑ እንሆ ኣብዚ ሕማቅ ኩነታት በጺሕና ኣለና። ከምኡ ናበለ መጺኡ ኣብዚ እዋን ብኣዴን ዝተቓለሰሎም መትከላት ጥሒሱ መገዱ ሲሒቱ ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ትምክሕተኛታትን ጸረ ህዝቢን ሓይሊታት ጉዳይ መፈጸሚ ኮይኑ ይርከብ።

Image - Be careful, stick figure!
Image – Be careful, stick figure!

3/ ሱር ነቀል ናይ ባህሪ ለውጢን መግለጺታቱን ኣብ ብኣዴን

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ብኣዴን ብፍላይ ድሕሪ ሕልፈት ጠ/ሚ መለስ ሱር ነቀል ዝኾነ ናይ ባህሪ ለውጢ ከምዘምጽኡ ሪኢና ኢና። ንኣብነት ናይ ህወሓት ዓብላልነት ዝብሉዎ ንምምካት ብዝመስል ካፍቲ ዝጸንሐ ፃዕሮም (ብህወሓት ዝመጽኡ ኣባላት ሰራዊት ናቐንስካ ናታቶም ድማ ናሾምካ) ብተወሳኺ ኣብ ስርቂ ታሪኽ ኣቲዮም ካሊእ ንምምሳል እውን ክፍትኑ ርኢና ኢና። ኣብ መበል 35 ዓመት በዓል ምስረታ ብኣዴን ዘርኣዮዎ ናይ ጒሒላነት ባህሪን ናይ ታሪኽ ስርቂን ህዝቢ ደብረ ታቦር ሓዊሱ ንብዙሕ ሰብ መዛረቢ ከም ዝነበረ ይዝከር። እቲ ዝፈጸሙዎ ጉሒላዊ ናይ ታሪኽ ስርቂ ንቲ ኣብ ብኣዴን ጉጉይ ርድኢት ኣለዎ ዝብሉዎ ህዝቦምን ደጋፊኦምን ከሕልፉዎ ዝደለይዎ መልእኽቲ ነይሩዎም እዩ። ብሓደ ወገን ንቲ ብቶም ሓይሊታት ትምክሕቲ ኣብ ልዕሊ ብኣዴን ዝገብሩዎ ዝነበሩ ዘየቋርፅ ጸለመ (የወያኔ ተቀፅላ ወዘተ ዝብሉ) ንምፍሻል ዝዓለመ ኮይኑ (ግቡእ እዩ)፣ ብቲ ካሊእ ግን ኣብ ህወሓት ዘለዎም ናይ ታሕታወያነት ስምዒት ዘራግፍሉ ቐንዲ መገዲ እዩ ነይሩ።

እዚ ኣሉታዊ ምዕባለ ብዙይ ኣይብቅዐን። ብኣዴን ኢሉ ኢሉ እውን ናይ መስፋሕፋሓይነት ባህሪ ተላቢሱ መጺኡ እዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኾረዩ ተወለድቲ ወልቃይት ብምውዳብ ቅሉዕ ናይ መሬት ሕቶ ከምዘልዕሉ ብምግባር ብውሽጢን ብደገን ብዕጥቂን ዝተደገፈ ምንቅስቓስ ክግበር ጸኒሑስ ንሱ ኣብ ዘይሳኻዕ ዝመስለሉ እዋን ድማ ዘርኢ መሪጽካ ምጽናት፣ ምዝራፍ፣ ምህዳንን ካብ ክልሎም ብምብራርን ዝተሳኽዐ ግፍዒ ናብ ምፍፃም ተሰጋጊሩ። ናይቲ ክልል መመሓደርቲ፣ ሚሊሻታትን ፖሊስን ዝዓጀብዎ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ፈተነን ጥቕዓትን ከም ተኻየደን ብዓስርተ ኣሽሓት ተጋሩ ሞት ኣምሊጦም ናብ በረኻታት ሱዳን፣ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ከምዝሃደሙ ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ተፀብጺቡ እዩ።

ብኣዴን ከም መሓዛ ውድብ፣ ኣባል ኢህወደግን ክልላዊ መንግስቲን ንዚ ኣብ ሓደ ብሄር ዝወረደ ይቕረ ዘይበሃል ጥቕዓት ዕላዊ ኣፍልጦ ክህቦን ኣብ ኣደባባይ ከውግዞን ፈቓደኛ ኣይኮነን። ኩለን እተን እስካብ ሀዚ ብብኣዴን ዝተውሃባ መግለጺታት ሽም ፀዊዕኻ ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ብጥንቃቐ ዝተዳለዋ እየን። እዚ ናይ መጀምርትኡ ኣይኮነን፤ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እውን ኣብ ሽንፋ ቋራ ተመሳሳሊ ናይ መመሓደቱን ጸጥታ ኣካላቱን ኢድ ዘለዎ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተፈጺሙ ከብቅዕ ፍታሕን ኣፍልጦን ክህብ ፈቓደኛ ከም ዘይነበረ ይፍለጥ እዩ። ብኣዴን መገዲ ምስሓቱን መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ባህሪ ለውጢ ከም ዘምጽአን ብዙሕ መረዳእታታት ምቕራብ ዝከኣልኳ እንተኾነ ንሱ ንተዓዘብቲ ገድፊና ኣብ ናይ ኢህወደግ ገምጋም ሒዙዎ ዝመጽአ ኣጀንዳ ናይ ምቕያስ ስልቲ ክንኣቱ።

4/ ኣጀንዳ ናይ ምስሓት ስልቲ

ኣብ ቐረባ እዋን ኢህወዴግ ንርእሱ ክግምግም ኮፍ ኣብ ዝበለሉ እዋን እውን እዚ ብሓይሊ ትምክሕቲን ፀበብቲን ተጨውዩ ዘሎ ውድብ ብኣዴን ኮነ ኢሉ ጠቃኒን ከሳሲን ኮይኑ ብምቕራብ እቲ ቐንዲ ጉዳይ ትኹረት ከይረክብን ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ተሓታቲነት ንኸይህሉን ዝተሳኽዐ ስራሕ ሰሪሑ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ንህወሓትን ትግራይን ብፀቢብነትን ዓብላልነትን ብምፍራጅ ጠመተ ናይቲ ገምጋም ኣብ ምዝባዕ ዕዉት ስራሕ ሰሪሖም እዮም ክበሃል ይከኣል እዩ። ካብ ኩሉ ዘሕምም ድማ መራሕቲና መሪሕነት ህወሓት ናይቲ ብኣዴን ዝፈጠረሎም ኣጀንዳ ግዳይ ብምዃን ኣብ ክልልናን እቲ ውድብን ጸቢብነት ከም ዘሎ ተቐቢሎም ብምምፃእ ህዝቢ ትግራይ እውን ጽቢብነት ክቃለሶ ኣለዎ ዝብል መሰረትን ወድዓውነትን ዘይብሉ ጉዳይ ሒዞም እስካብ ቑሸት ዘለዉ መሰረታዊ ውዳበታቱ ነኒርእሱ ዝባለዐሉ ኣርእስቲ ኣውሪዶምሉ ይርከብ። ተቐባልነት ኣይረኸበን እምበር ንዳይስፖራ ተጋሩ እውን እንተይተረፈ ኤክስፖርት ገይሮምሉ እዮም።

ሓቂ እዩ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ጸቢብነት ትምክሕቲን ዘጥቅዖም ውልቀ ሰባት ወይ እውን ጉጅለታት ክህልዉ ባህሪያዊ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እውን ከም ዝኾነ ኣብዛ ዓለም ዝነብር ሕብረተሰብ ናይ ጸቢብነትን (ጸቢብነት ብጸቢብ ትርጉሙ) ትምክሕቲን ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት የብሉን ኣይንብልን። ብሓቂ ግን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ብጸቢብነት ይግለጽ ዶ? ብዝኾነ መለክዒ ጸቢብነት ኣብ ትግራይ ከም ሽግር ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ዝድምደመሉ ኩነታት ኣሎ ድዩ? ንምዃኑ ህወሓትከ ኩሉ ነገር ንህወሓት፣ ብህወሓት፣ ንትግራይን ንተጋሩን ጥራይ ብዝብል ጸቢብነት ይግለጽ ዶ? ኢህወዴግ እንታይን እንታይን መግለጺታት ጸቢብነት ደሚሩ ናብዚ መደምደምታ በጺሑ? ህወሓትከ ብዙይ ከመይ ክሰማማዕ ኪኢሉ? ብስሩኸ ንሱ ድዩ እቲ ቐንዲ ሽግር? ናይ ህወሓት ዓብላነትን ጽቢብነትን ሓቂነት እንተዝህሉዎኸ ኣፍታ ከም ድሌቶም ገይሮም ዘማሓድሩዋ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተፈጠረ ዘግናኒን መሕፈሪን ኩነታት እንታይ ዘራኽቦ ኣለዎ? ንምዃኑ ትግራይ ክተልምዕ ኣለዋ፣ ትግራይ ዝግበኣ ረብሓታት ኣይረኸበትን ወዘተ ዝብሉ ናይ መሰል ሕቶታት ቐትሪን ለይትን ዘልዕል ትግራዋይ ጸቢብ ድዩ ክበሃል? ንታሪኹ፣ ባህሉ፣ ቛንቁኡን ምዕቃብ መንነቱን ኣዚዩ ዝግደስ ሓዱሽ ወለዶ ምፍጣሩ ዶ ጽቢበነት ዘብል ኮይኑ? ብሓጺሩ ንምምላስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ጸበብቲ ከም ዘይኮኑ ብብዙሕ መገዲ ምርግጋጽ ዝከኣል እዩ። 

5/ ጸበብቲ ዘይኾንሉ መግለጺታቱ

 ብወገና ትግራይ ዓዲ ብጹኣት እዩ ኢልና’ኳ ተዘይኣመና ኣብ ናይ ኢትይዖጵያ ፖለቲካ ተጋሩ ብሓፈሽኡ (ንሕወሓት ሓዊሱ) ጸቢብነትን ትምክሕቲን ዘይገልጾም ምዃኑ ኣንዳዕዲዕኻ ምዝራብ ይከኣል እዩ። እቲ ቀደም ተጋሩ ናይዛ ሃገር ዘላቒነት ንምርግጋፅ መዋእሎም ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ፣ ውፍይነትን ሕድገታትን ገዲፍና ኣብን/ድሕሪን ደርጊ ዘሎ ኩነታት እንተርኢና’ኳስ መልሱ ግልጺ እዩ።

ንኣብነት ብህወሓት ዝተመርሐ ዕጥቃዊ ቓልሲ ህዝባዊነት ወሰን ከምዘይብሉ ንተጋደልቱን ህዝቡን ብምምሃር ተጋደልቲ ትግራይ ዶቦም ሰጊሮም ብምቅላሶም ብዋጋ ዘይግመት ናይ ሂወት መስዋእቲን ኣካል ምጉዳልን ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከፊሎም እንተብቅዑ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ኩሉ ንዓና ክንወስዶ ኣይበሉን። ኣንፃር ዝሓለፉ ስርዓታት ተዓጢቖም ይቃለሱ ኣይቃለሱ ብዘየገድስ ብዙሕነት ህዝቢታት ሃገርና ብዘየማትእ ብምቕባል ብማዕርነትን ብሓባርን ትህነፅ ሃገር ንምግሃድ ብዙሕ ዋጋ ዝኽፈሉ ህዝቢን ውድብን እዮም። ከምቲ ዝፍለጥ ካልኦት ውጽዓት ህዝቢታት እውን ብማዕርነት ዝሳተፍሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምርግጋጽ መንግስቲ ዝውጽኦ ናይ ምምጥጣን መደብ ካብ ልቦም ኣሚኖምሉ ወርቃዊ ዕድሚኦም ዘሕለፍሉ ከቢድ ግን ሙቁር ቓልሲ ገዲፎም ጥራሕ ኢዶም ንዓዶም ተሰናቢቶም እዮም። ብዙይ ጥራይ ኣየብቅዐን፤ ድሕሪ ስግግር መንግስቲን እስካብ እዚ ዘለናሉ እዋን’ውን ካልኦት ናይ ምብቃዕ ስራሕቲ ናተሰርሐ ጸኒሑ ብሕወሓት ዝመጽኡ ብኣማኢት ዝቑጽሩ ላዕለዎት መራሕቲ መከላኸሊ ሰራዊት ንኻልኦት ኢትዮጵያዊያን ቦታ ክለቁ እንትግበር ብጸጋ ዝቕበሉ ደቂ ትግራይ እንዳሃለውና ብጸቢብነትን ዓብላልነትን ምኽሳስ ርትዓዊን ፍትሓዊን ኣይኮነን።

ውፉይነትን ሃገራዊነትን ተጋሩ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ሻዕቢያ እንተውረና´ውን እዞም ብዘይ ሓንቲ ዓስቢ ጥራይ ኢዶም ንገዝኦም ዝተሰናበቱ ሓርበኛታት ጀጋኑ እዛ ሃገር ዘሕለፈትሎም ዘይብላ ክንሳ ፃውዒት መንግስቶም ኣኽቢሮም ናብ ግምባር ብምማላስ ኽብርቲ ሂወቶም ከፊሎምስ እቶም ብሂወት ዝተረፉ’ውን ደጊሞም ንገዝኦም ተፋንዮም እዮም። እዚ ምእንቲ ሰላምን ቐፃልነት ሃገርናን ዝተኸፈለን ዝኽፈል ዘሎን ረዚን ዋጋ ምዃኑ ዝርዳእ ህዝቢ ትግራይ እውን ኣፍቶም ኣብ ደቁ ዝውሰዱ ናይ ምምጥጣን ስጉምቲትት ቕሬታ እንተይሓደሮ ብፀጋ እዩ ተቐቢሉዎ።

እዚ ህዝቢ እዚ ንዝኸፈሎ ሕልፊ መስዋእቲ ዝሓተቶ ሕልፊ ረብሓ እውን የብሉን፣ ኣይክነብሮን እውን። ከምቲ ጸላእቱ ዝብሉዎ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ከም ሃገሩ ኣብ ብዙሕ መደያት እውን ካብ ሃገሩ ዝተሓተ ልምዓትን ቁጠባዊ ኩነታትን እዩ ዝርከብ። ዝግብኦ ዘይምርካቡ ብርግጽ ዝሐዝን እዩ። ንሱ ከምዘሎ ኮይኑ ምስ እቲ ዝሓለፈ ውግእ ዝተተሓሓዘ እውን ህዝቢ ትግራይ ካብ ካለኦት ክልላት ዝተፈለየ ኸቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ንዝሓለፈ 18 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዘሰክፍ ናይ ጸጥታ ኩነታት ይነብር ከምዘሎ ዝፍለጥ ጉዳይ እንዳሃለወ ንፃውርኡ ዝምጥን ካሕሳ ወይ ናይ ልምዓት መማረጺ ይወሃበኒ ኢሉ ካብ ማእከላዊ መንግስቲ ሓቲቱ ኣይፈልጥን። ሓገዝ ዘይድሊዮ ኮይኑ ግን ኣይነበረን።

ካውኡ ሓሊፉ መንግስቲ ዘውጽኦም ፖሊሲታትን ገዘፍቲ ሃገራዊ ናይ ልምዓት መደባትን ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቕበልን ብኹሉ ዓቕሙ ዝድግፍን ህዝቢ ምዃኑ ድማ ፀሓይ ዝውቕዖ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ብተዛማዲ ቑጽሪ ህዝቢ እንትርአ ግድብ ሕዳሰ ካብ ዝተኣወጀሉ ጀሚሩ እስካብ ሎሚ ክንዲ ህዝቢ ትግራይ (ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ)ቦንድ ዘይዓደገ የለን እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኸውንን። እቶም ካባና ንላዕሊ ኢትዮያዊ የለን ዝብሉ ንብኣዴንን ሰዓብቱን ዝዝውሩ ዘለዉ ትምክሕተኛታት ንህንጸት ግድብ ህዳሴ ኣብ ኣደባባይ ኣምሪሮም ኣብ ዝቃወሙሉን ምስ ግብጺ ኣብ ዝሓበሩሉን ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ዶብ ክልሉ ሰጊሩ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ዝዋፃእ ዘሎ ስለዝጸበበ ዘይኮነስ ነዛ ሃገር ካብዘላቶ ሽግር ንምውፃእ ዘለዎ ሃገራዊ ሓሊዮቱን ተወፋይነቱን ልባዊ ስለዝኾነ ጥራይ እዩ። ኣብ ዳይስፖራ ዝግበር ገንዘብ ናይ ምውፃእ መስርሕ እውን እቲ ዝዓበየ ተወለድቲ ትግራይን ሎሚ ሎሚውን ተወለድቲ ክልል ሱማሌን ከምዝኾኑ ኤምባሲታት ዝፈልጡዎ ጉዳይ እዩ። ጸቢብነት ዘጥቅዖ ህዝቢን መሪሕነትን ዘለዎ ክልል ከምዚ ኣይገብርን።

ኣብዚ እዋን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ በጺሑዎ ዘሎ ኸቢድ ናይ ዘርኢ ምጽናት ፈተነ፣ ወራር፣ ምቕተልቲን ምፍንቓልን ዋላ መዓንጥኡ እንተሕረሮ ምእንቲ ሰላምን ሓቢርካ ምዝላቕን ክብል ዝኾነ ናይ ዓያሹ ሱጉምቲ ኣይወሰደን። ንኣብነት ትግራይ ዝብላ መኻይንን ኣብ ክልል ኣምሓራ መሪጾም እንተቃፅሉ ኣብ ትግራይ በቢኸተምኡ ብኣማኢት ዝቑጸራ ናይ ኣምሓራ ክልል መኻይን እንዳሃለዋ ጸጸር ዝደርበየለን ሰብ የለን። ናይ ተጋሩ ሆቴልን ንብረትን እንትዓኑን እንትዝረፍን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ብኣምሓሩ ዝውነን ንብረት ዝተንከፈ የለን። እምበኣርከስ ንዛ ሃገር ክብል ሀዚውን ዋጋ ናኸፈለ ዘሎ ህዝቢ እዩ።

እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ውሑዳት ኣብነታት ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ጸቢብነትን ትምክሕቲን ዘይምልከቶ ባህሪ ምዃኑ ዝገልጹ እንትኾኑ፣ ህወሓት እውን ከም መሪሕ ውድብ ህዝቢ ትግራይ ኣይምልከቶን አንተበልና ሓቂ ምድጋም ጥራይ እዩ። ናይ መትከልን ጉዳይ ኮይኑዎ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋደልቲ ንግዝኦም ምፍናው፣ ኣብ ሽግር እዋን’ውን ጸዊዕኻ ናብ ውግእ ምእታው፣ ብምምጥጣን ሽም ኣለዉ ዝበሃሉ ሙኩራት ጀጋኑ ወታሃደራት ምቕናስ፣ ንህዝቢ ኣንቀሳቒስካ ኣብ ከም ህዳሴ ግድብ ዝበሉ ገዘፍቲ መደባት ንዋታዊን ገንዘባዊን ሓገዙ ንክህብ ኣብ ምግባር፣ ደርጊ ኣብ ምውዳቕ ዝዓበየ እጃም ዘለኒ ኣነ እየ ኢሉ እንተይተመክሐን ተይፀበበን፣ ብዙሕነትን ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ህዝቢታት ሃገርና ኣሚኑ ጸኒዑ ዝተቓለሰ፣ ንኽልሉ ሕልፊ እንተይወሰደ ወዘተ ወዘተ ኩሎም ብሄራት ማዕረ ዝኾኑሉ ስርዓት ኣብ ምህናፅ ዘይትካእ ግዲኡ ዝፈጸመ ውድብ እዩ።

ንህወሓት ጸቢብነት ዝብል ዘይኮነ ዝገልጾስ ብሰኸፈት ይኹን ብዋሕዲ ተጋድስነት ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝግብኦ ዘይሓትት፣ ኣብ ክልሉ ዘሎ ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሒን ዘየማሓይሽ፣ ጉዕዙይ ቢሮክራሲን ትሑት ኢንቨስትመነት፣ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ረድኤት ዘንብር፣ ስራሕ ስእነትን ስደትን ካሊእ ጊዜ ዝወለዶም ድኽመታቱን ምኽንያት ንህዝቡ ዋጋ መስዋእቱ ዘይከፈለ ውድብ ወዘተ ተባሂሉ እዩ ክግለጽ ዘለዎ። ብተምሳሳሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ጸቢብነት ወይውን ትምክሕቲ ዝፈታተኖ ህዝቢ ዘይኮነስ ብሰኸፈትን ልዑል ሃገራዊ ሓሊዮትን ምኽንያት ረብሕኡ እንተይተረፈ ኣሕሊፉ ዝህብ ወይ ዘይሓትት ህዝቢ፣ ዘይወሰደ ወሲዱ ናተብሃለ ኣብ ጸለመ ዝነበር ግና ትዕግስቱ ዘይጽንቀቕ ህዝቢ፣ ህዝቢን ስርዓትን ፈሊዩ ዝርኢ፣ ኣዴታት፣ ህፃናትን ዓብይቲን ዝሓረዱ ወታሃደራት ደርጊን ሻዕቢያን ኣምሂሩ ዘፋኑን ዘዑቁብን፣ ምእንቲ ካልኦት ህዝቢታት እውን ከም ሽምዓ ዝመኸኸ ህዝቢ ተባሂሉ እንተተገለጸ እዩ ዝምጥኖ። ብሓፈሽኡ ኢትዮጵያ ንዝምልከት ከም ህዝቢ ይኹን ከም ውድብ ጸቢብነት ወይ ትምክሕቲ ዝምልከቶ ኣይኮነን። እዚ ሕማም ዘለዎም ውልቀ ትግራዎት ምርካብ ድማ ንቲ ዝተገለጸ ሓቂ ስለ ዘይቕይሮ እዚ ከም ሽግር ኣብ ትግራይ ዝልዓል ኣይኸውንን።

6/ ንምንታይ ደኣ ብጸቢብነት ይጥቀን ኣሎ?

ብኣዴን ንህወሓት ብፀቢነት ዝነቕፈሉ ቐንዲ ምኽንያታት ክልተ እዮም ኢልና ንኣምን: ቀዳማይ፣ ብኣዴን ብሓይሊ ትምክሕቲ ተጨውዩ ኣብ ክልሉ ኣብ ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄር ትግራይ ዝውረዶ ግፍዒን ብወልቃይት ኮሚቴ ሽም ኣንፃር ትግራይ ዘቕንዑ ዕጥቃዊን ጎነፃዊን ምንቅስቓሳት ብሙሉእ ኣፍልጦን ድጋፍን መሓውራት ብኣዴን ዝተፈጸመ ብምዃኑ ካብ ተሓታቲነት ንምምላጥ ኣጀንዳ ፈጢርካ (ጸቢብነትን ህወሓታዊ ዓብላልነትን) ኣቓልቦ ናይቲ ገምጋም ኣብ ካሊእ ክውዕል ምእንታን ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ኣጀንዳ ናይ ምስሓት ውዲት እዩ። እቲ ካልኣይን ወሳናይን ምኽንያትን ግን ብዛዕባ ክልሎምን ህዝቦምን ዝጭነቑን፣ ናይ ልምዓትን ካልኦት መሰላቶምን ብዘይ ስኽፍታ ዝሓትቱ፣ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካን ስትራቴጂካዊን ረብሓታት ህዝቦምን ዝግደሱን ተጋሩ ናበዝሑ ዝኸድሉ ኩነታት ስለዘሎን እዚ ከም ስግኣት ስለዝቖጽሩዎን እዩ።

እዚ ኣብ ቁፅፅር ሓይሊ ትምክሕቲ ወዲቑ ዘሎ ውድብ ብኣዴን ናይ ህወሓት ምድኻም ተስፋ ገይሩ ኣብ ዝሰርሓሉ ኩነታት ትግራይ ዘይነበራ ብዝሒ ሙሁርን ብህዝቡን ክልሉን ዘይዋገ ግዱስ ዓቕሚ ዘለዎ መንእሰይ ምፍጣሩ ከም ሃገራዊ ዓቕሚ ዘይኮነስ ከም ስግኣት ገይሩ ስለ ዝወሰዶ እውን እዩ። ምኽንያቱ ብትምክሕተኛታትን ብመስፋሕፋሕቲን ዓይኒ ህወሓትን እቲ ንህወሓት ዝፈጠረ ህዝቢን ከም ቐንዲ ዓንቃፊኦም ገይሮም ስለ ዝምልከትዎም ክዳኸመሎም እምበር ጠንኪሩ ክወጽእ ድሌቶም ኣይኮነን። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ንቕሓትን ሓፈሻዊ ዓቕሚን ናዓብየ ዝኸይድ ዘሎ ድሌታትን ግና ብኣንፃር እቲ ዝሓስቡዎ ይምዕብል ስለዘሎ ንቲ ብዓል ዓቕሚን ንህዝቡ ዝግደስን ኣብ መንነቱ ዘይዋገን ትግራዋይ ንምሽቑራር ብጸቢብነት ከሲስካ ኣብ ካሊእ ኣጀንዳ ንምጥሓል ዝግበር ዘሎ እኩይ ፃዕሪ እዩ። ብኻሊእ ኣባህላ ከይሓትት ከም ቀደሙ ናተሰከፈ ረብሕኡ ኣሕሊፉ ምእንታን ክህብ ዝተኣለም ውዲት እዩ።

7/ ውጺኢት ናይቲ ውዲት

ብኣዴን ንቲ ኣብ ክልሉ ኣጋጢሙ ዘሎ ቐንዲ ጉዳይ ንጎድኒ ገዲፉ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ካሊእ እርእስቲ ንኽፅመዱ ዝገበሮ ፃዕሪ ዝተሳኽዐ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ብቲ ንብኣዴን ዝጨውየ ሓይሊ ትምክሕቲን ሰዓብቱን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ ዘይበሃሎ ግፍዒ ፈጺሙ እንዳሃለወ (እሞ ሽሙ ፀዊዑ ኣፍልጦ ክህቦን ከውግዞን ፈቓደኛ ዘይኮነሉ) መሪሕነት ህወሓት ግን ብኣዴን ዝፈጠረሎም ኣጀንዳ ቕቡል ገይሮምዎ ናብ ክልሎም ተመሊሶም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ’’ጸቢብነት’’ ጥሒሎም ጸበብቲ ኢና ኣይኮናን ዝብል ተዋጠጥ ሒዞም ኣኼባታት የሳልጡ ኣለዉ። እዚ ሓዱሽ እርእስቲ ፀቢብነት ምስቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሕዱር ሕማም ”ምጉጅጃልን, ምጥቕቓንን” ተደሚሩ ውጽኢቱ ሕማቕ ከይኸውን ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ነገርና እዚ ጉዳይ ፀቢብነት ህወሓት እዩ ናብ መሰረታዊ ውዳበታቱ ኣውሪዱዎ እምበር ብኣዴን ’’ትምክሕቲ’’ ይኹን ’’ፀቢብነት’’ ዝብሉ እርእስቲታት ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ናብ ታሕቲ ከምዘይወርድ ገይሮምዎ እዮም። ንምንታይሲ ኣባላቶምን ደገፍቶምን ዘነታርኽን ዝኸፋፍል ነገር ካብ ገንኡ ምእላይ ስለዝተምሃሩ። ግርም ጥበብ!

8/ እንታይ ይገበር?

እቲ ንብኣዴን ጨውዩ ዘሎ ተተካኢ ሓይሊን ግዳማዊያን መሻርኽቱን (ኣብ ዳያስፖራን ዘለዉ ፅንፈኛታትን ኣዘዝቶምን) ካብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብዘይ ኣፈላላይ ዝጽበይዎ ሓደ ጉዳይ ጥራይ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ተኸፋፊልካ ምድኻምን ንጥቕዓት ትምክሕተኛታት ዝተቓላዕኻ ምዃንን። ኣብ ካልኦት ብሄራት ካብ ዘለዎም ንዕቐት ዝብገስ ናይ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ምድኻም ወይውን ምእላይ ጥራይ ዕላምኦም ንምስኻዕ ወሳኒ ገይሮም ስልዝርድእዎ ንኽልቲኦም ኣዳኺምካን ኣፋቲሕኻን ብቱንን ርእሱ ኣድኒኑ ዝነብር ህዝቢ ምግባርን እዩ ድሌቶም። እዚ ንብኣዴን ጨውዮም ከም መሳርሒ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ብዘላቕነት እንትርአ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ቐሊል ዘይበሃል ገበን ፈጺሞም ኣለዉ። እሞ መንግስታዊ ስልጣንን ውድባዊ ነፃነትን ጉልባብ ተጠቒሙ ብኣዴን ዝግበሮ ዘሎ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ሱር ዝሰደደን ዝገደደ ሓደጋ ዘብጽሕን ስለዝኾነ ኣቃሊልካ ክርአ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ህወሓት እቶም ዝስዕቡ ክልተ ወሰንቲ ነገራት ክገብር ናይ ግድን ይኸውን፦

8.1/ ኣብዚ እዋን ክግበር ዘለዎ

ሀ) ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዘሎ ቁርቁስን ብብኣዴን ዝተውሃቦ ናይ ”ጸቢብነት” ገዛ ዕዮን ንጎድኒ ኣፅኒሑ ኣብ ዝዓበዩ ሃገራዊን ህዝባዊን ጉዳያት ከትኩር ኣለዎ። ኣብ መሪሕነት ሓጓፍ ምፍጣር ሳዕብየኑ ከቢድ ከምዝኾነ ካብ ናይ 1993 ዓ.ም ትምህርቲ ምውሳድ ይግባእ። እዚ ማለት ግን ድኽመትካን ሽግርካን ደፋፊንካ ምኻድ ንምባል ኣይኮነን። ወይ ድማ ዓቕሚ ዘይብሎምን ጉዕዙያትን ኣባላት መሪሕነት ተሰኪምካ ምቕፃል ማለት ኣይኮነን። ናብዚ ሀዚ ንሪኦ ዘለና ሽግር ኣእቲዮምና ዘለዉ ኣብ መሪሕነት ዙሪያ ዘለዉ ድኽመታት ከምዝኾነ ርዱእ ገይርካ ንሕስያ ዘይብሉ ምግምጋም ክካየድን ለውጢ ክመጽእን ህዝቢ ዝጸበዮ ዘሎ ምዃኑ ክንዝንጋዕ የብሉን። ማእለያ ዘይብሎም ፈላጣትን ውፉያትን ዝወለደ ህዝቢ ብድኹማትን ጉዕዙያትን ክምራሕ የብሉን።

ለ) ናይ ኢህወዴግ ኣባል ውድባት (ኦህዴድን ደህዴንን) ኣብ ጎድንኻ ኣሰሊፍካ ብኣዴን ርስሓቱ ኣራጊፉ ምስ ኢህወዴግ ክቕጽል ጸቕጢ ምግባርን ንቲ ሓይሊ ትምክሕቲ ካፍቲ ኣብ መትከሉ ዘሎ ተቓላሳይ ኣባል ብኣዴን ብወሳናይ መልክዑ ምእላይን ግድን ይኸውን። ኣብዚ ናይ ህዝቢታት ዴሞክራሲያዊ ሓድነት እምበር ዓብላላይነትን መስፋሕፋሓይነትን ከምዘይሰርሕ ብግልጺ ንክሱቆሮም ምግባር የድሊ።

ሐ) እቲ ኣብ ኣምሓራ ክልል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ኣጋጢሙ ዘሎ ኸቢድ ወንጀልን ቕሉዕ ምጥሓስ ሕገ መንግስቲን ሙሉእ ፍትሒ ንኽረክብን ፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ፌደራል መንግስቲ ብብቕዓት ንኽሰርሕ ኣግባብ ዘለዎ ጸቕጢ ምግባርን ናይ ሕጊ ላዕለዋይነት ምርግጋፅን ህዝቢ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ቕድም ኢሉ ብናይ ክልልን ወረዳን መማሓደርቲ ኣብ ሽንፋን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈጸሙ ጥቕዓትን ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰትን ናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ስለ ዝተሓለፈ ህዝብና ኣብ ዝገደደ ሽግር ወዲቑ። ሀዚ ሓታቲን ተሓታቲን ክህሉ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

መ) እቲ ብትምኽሕተኛታትን ጸረ ህዝቢታትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝወረደ ኣዕናዊ ተግባር ኣብ ካልኦት እውን ዘይወርደሉ ምኽንያት ከምዘየሎ ንኻልኦት ክልላት ዝመርሑ ዘለው ውድባትን ህዝቦምን ኣረዲእኻ ምእንተ ርእሶም ክብሉ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይን ፍትሒን ጠጠው ክብሉ ኩሉ ፃዕሪታት ምግባር ይግባእ።

ሠ) ኣጋር ውድባት ናብ ኢህወዴግ ብኣባልነት ኣትዮም ፖለቲካዊ ጸዋታ ዘዕምብርሉን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሙሉእ ተዋሳእቲ ዝኾኑሉን ዕድል ምፍጣር ረብሓ ኣለዎ። ናይ ካልኦት ክልላት ምጥንካር ንትምክሕተኛታትን መስፋሕፋሕቲን ዝኸውን ቦታ ምስኣን ማለት ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ።

8.2/ ዘላቒ ውሕስና ህዝቢ ትግራይ

እዚ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ናይ ስትራቴጂ ሕቶ እዩ። ህዝብና ዘላቒ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ውሕስንኡ እስካብ ዘይተረጋገጸ ካብ ውሽጣዊን ግዳማዊን ጥቕዓት ክድሕን ኣይኽእልን። ስለዚህ እቶም ቐንዲ ንጥቕዓት ዘቃልዑና ዘለዉ ውሽጣዊ ድኽመታትና ሱር ነቀል ለውጢ ክነምፅአሎም ምእንታን ክኽፈል ዘለዎ ኩሉ ምኽፋል ግድን እዩ። ብኢንዳስትሪን ዘበናዊ ሕርሻን ዝማዕበለት፣ ድኽነት ብወሳናይ መልክዑ ዝቐነሰት፣ ብትምህርቲን ሙሁርን ዝተሃንፀትን ንሃገር ዝጠቅም ሳይንሳዊ ኣስተዋፅኦ ትገብር ትርጉም ዘለዋ ክልል ኣብ ትፍጠር ኣብ ሃገርና ዝህልወና ናይ ፖለቲካ ምውጋይ ሓይልና ዝለዓለ ይኸውን። ብኻሊእ ኣባህላ መፃኢ ዕድል ህዝብና ብዋናነት ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ይድረኽ። ብሓጺሩ ትግራይ ናይዛ ሃገር ቁጠባዊ ማእከል ገይርካ ካልኦት ዝደፍሩዋ ዘይኮነስ ዝመንይዋ ክልል ምፍጣር ዘላቒ ውሕስናና ንምርግጋፅ መማረጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። እዚ ንምግሃድ ድማ እንተነኣሰ ናይ መፃኢ ሓደ ወለዶ ተሳጊሩ ዝሓስብን ብግብሪ ዝሰርሕን ራኢይ ዘለዎ መሪሕነት የድሊ።

9/ መደምደምታ

መበገሲ እዚ ጽሑፍ ብኣዴን ኣቲዩዎ ዘሎ መገዲ ጥፍኣት ምምልኻትን ክግበር ዘለዎ ነገር ምጥቋምን እዩ። በዙይ ኣጋጣሚ ህወሓት እቲ ጭውይ ብኣዴን ኣብ ዝፈጠረሉ ናይ ጸቢብነትን ካሊእን ጓይላ ብምስዕሳዕ መሠረትን ወዳዓውነትን ኣብ ዘይብሉ ኣርእስቲ ሸንኮለል ከይብልን ኣባሉን ህዝቡን ከየሸቑርርን ይመከር። የግዳስ እቲ ባሃገር ደርጃ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ሕቶን ብቲ ስርዓት ዘይምርካዕን ግቡእ ምላሽ ምሃብ ከምዘሎ ከይኑ፣ ብሓደ ወገን ኣፍቶም ዝተፈጠሩ ሓደገኛን ተፈታተንቲን ጉዳያትን ብምትኳር ናይ ጽሬት ስራሕቲ ምፍፃም (ኣብ ውሽጡን ኣብ ኢህወዴግን)፣ ንቲ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒ ጭቡጥ ፍትሒ ንኽወርድን ተሓተትቲ ንክህሉዉን ምቅላስ፣ ካልኦት ህዝቢታትን ውድባቶምን እውን ጥቕዓት ህዝቢ ትግራይ ጥቕዓቶም ከምዝኾነ ኣረዲእኻ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ምስላፍን ኣንፃር ትምክሕተኛታት ጠጠው ክብል ምግባርን፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ቐፃልነት ደሕንነት ህዝብና ኣብ ዘውሕሱ ስትራቴጂክ ጉዳያትን ክትኩርን ብግብሪ ክሰርሕን ይግባእ ዝብል ቐንዲ ውራይ እዚ ጽሑፍ እዩ።

ልምዓት፣ፍትሒን ራህዋን ንህዝብና፣ ሰማዒ እዝኒን ተግባርን ንመራሕትና …!

**********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories