ካብ ተሃድሶ ቦናፓርቲዝም ናብ ተሃደሶ ፀቢብነት፤ ወድዓውነት ዶ ወይስ መኣዝን ምስሓት?

1/ መእተዊ

ውድባት ብፍላይ ከኣ ገዛእቲ ውድባት ኣብ ምዕባለ ፓለቲካዊ ጉዕዝኦም ፈተንቲ መድረኻት ክገጥምዎም ከለው ውሱን ወይከኣ ሙሉእ ምትዕርራያት ክገብሩ ግድን እዩ፡፡ ሙሉእ ምትዕርራይ (ተሃድሶ) ወይ ውን ውሱን መጠነኛ ለውጢ ክሳለጥ ዝውስን ከኣ እቲ ዘጋጥም ነቲ ፓርቲ ንቕድሚት ከይኸይድ ዝሓንቕ ማሕለኻ ይኸውን፡፡ ምናልባት ኣብ ቀፃሊ ምርመራን ፈተነ ጥዕናን ዝርከቡ ውድባት ነገራት ኣቐዲሞም ምስ ዝሪኡ፤ መስርሕ ፓለቲካ ዝመርሕዎ ፖለቲካል ቁጠባ ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ሳዕቤን ከይፈጠረሎም ፀገማቶም ሰለዘማእዝኑ በበግዚኡ ተመለላእቲ ለውጥታት እንዳምፅኡ ይቕፅሉ፡፡ ብኻልእ ገፅ ከኣ በበግዚኡ ዝፍጠሩ ፀገማት ከይተፈትሑ ብምትራፎም ምንቁልቃል ኣንሳዕሪሩ ንህልውና ውድብን ዝመርሕዎ ሕ/ሰብን ፈታኒ ምስ ዝኸውን ናይ ግድን ናብ ተሃደሶ ክኣትዉ ይግደዱ፡፡

ብዛዕባ ተሃድሶ ኮነ መጠነኛ ምትዕርራይ ክንዛረብ ከለና ካልእ ክለዓል ዝኽእል ነጥቢ ዛዕባ መበገሲ ናይቲ ለውጢ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጠ ውድብ ዝፍጠር ናይ መሪሕነት ግርጭት ወይ ከኣ ምክፍፋል ሓደ መበገሲ ክኸውን ይኽእል፡፡ ሓፈሻዊ ማሕበራዊ፣ ፓለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለታት ሓደ ሕ/ሰብ ወይ ሃገር ዝፈጥረዎ ፅልዋታት ስዒቡ ውን ደጋዊ ጠለብ ለውጢ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ ዝበዝሕ ግዜ ግን ናይ መሰመር ወይ ድማ ስነሓሳብ ደውታ ከጋጥም ከሎ ተሃድሶ ናይ ግድን  የድሊ፡፡ ካብኡ ወፃኢ ኣብ መሰመርን ስነሓሳብን ኣፈላላይ እንተዘየለ መጠነኛ ምትዕርራያት ልሙዳት ኣብ መብዛሕቲኡ ውድባዊ ዝራኣዩ ክሰታት እዮም፡፡

ኣብዚ ክረኣይ ዝግብኦ ነጥቢ ናይ መስመር ተሃድሶ ክበሃል ከሎ ሰነሓሳባዊ ዕንክሊል ተፈጢሩ እቲ ውድብ ክመርሕን ክትግብርን ናብዘይኽእለሉ ደረጃ ወሪዱ ደውታ ከጋጥም ከሎ ማለት እዩ፡፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ናይ መስመር ተሃድሶ ኣብ ወየንቲ ውድባት ብደረጃ መሪሕነት ዝፍጠር  ሓቀኛ ምትሕውዋስ ደምብ ወይ ውን ግርጭት ሰነሓሳብ ደውታ ፈጢሩ ውድብ ክስንከል ከሎ ዝረኣይ መስርሕ ፅሬት እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ውን ኣብ ውድብን ተመራሒ ሕ/ሰብን ኣዝዩ ገዚፍ ለውጢ ከም ሰዓቤኑ ንርኢ፡፡

ዛዕባና ብዛዕባ ወያናይ ውድብ ካብ ኮነ እምበኣር ካብ ክውንነት ዝብግስ ልምዲ መሰረት ጌርና ምትዕርራይ ወይ ከኣ ተሃድሶ ዝበዝሕ እዋን ጥራሕ ዘይኮነስ ዳርጋ ከሉ ግዜ ካብ መሪሕነት ዝነቅል እዩ ዝኸውን፡፡ ምትዕራይ ወይ ተሃድሶ ክንበሃል ኮሎና ግን ካብ ሓቀኛ ደውታ መስመር (ወይ ውን ናይ ስነሓሳብ ምትሕውዋስ) ወይከኣ ካብ ግርጭት ረብሓን ስልጣን ዝብገስ ክኸውን ይኽእል፡፡ በቲ በለ በቲ ግን ኣብ ወያናይ ውድብ ዝመርሖ ሕ/ሰብ ውሳነ ሓሳባትን ኣንፈት ቃልስን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ምውራዶም ሰለዘይተርፎም ኣብቲ ታሕተዋይ ኣካል ሰፊሕ ፅልዋ ይፍጠር፡፡ ውፂኡቱ ውን ከምኡ ኣብ መበገሲ እቲ ምትዕርራይ ወይ ውን ተሃድሶ ዝውሰን ይኸውን፡፡ እዚ ማለት ብልክዕ ካብ ናይ መሰመር ደውታ ዝብገስ ተሃድሶ ወይ ድማ ካብ ሓቀኛ ፀገማት ዝብገስ ምትዕራራይ እንተኾኑ እሞ ድማ ከኣ ኣብ ውሽጢ ውድብ እኹል ምይይጥ ምስ ዝካየድ ኣወንታዊ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል እዩ፡፡ ብግልባጡ ካብ ፀቢብ ጎንፂ ፓለቲዊ ረብሓ መሪሕነትን ዝብገስ ምስ ዝኸውን ድማ ዘይተደለየ ሳዓቤን ከምፅእ ይኽእል እዩ፡፡

በቲ በለቲ ኣብ ወየንቲ ውድባት ፍልልይ መሪሕነት ዝፈጥሮ ፓለቲካዊ ወጥሪ ባህርያዊ ኮይኑ፤ ጥዕና ውድባት ዝውስን ግና ኣፈላላይ በሲሉ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ተማእዚኑ ይኸይድ ዶ ኣይኸይድን ዝብል ኣብ ዝምል ኣምር ይድረኽ፡፡ እዚ ንብለሉ ምኽንያት ኣብ ነዊሕ ወያናይ ጉዕዞ ሓቢሩ ዝመፀ መሪሕነት ብጣዕሚ ሰፊሕ ናይ ስነሓሳብ ኣፋላላይ ክፍጥር ኣዝዩ ዘይንቡር ሰለዝኾነ፤ መብዛሕቲኦም ዝፍጠሩ ደውታት ወይ ሃልክታት ካብ ንሕንሕ ስልጣን ኢሉ ውን ናይ ረብሓ ጎነፂ ዝብጎሱ ኮይኖም እንዳሃለው፤ ኣፋላላይ ስነሓሳብ ከም ሽፋን ሰለዝቐርብ ብዘይ ምግምማዕ ክምእዘን ከምዝኽእልን ካብ ታሪኽ ወየንቲ ውድባት ዓለም ብምግንዛብ እዩ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሃልክታት ነቲ ውድብ ናብ ሓደጋ ምግምማዕ ከየእተው ክፍትሑ እዩ እምበኣር ውሽጠ ዴሞክራሲ ውድብ ኣዝዩ ወሳኒ ሮቓሒ ይኸውን፡፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ እኹል መዛተዪ ሜዳ ክህሉ ከሎ ዝፍጠሩ ኣፈላላያት ተወጊኖም ምክእኣል ተፈጢሩ ብዘይምግምማዕ ንቕድሚት ንምኻድ የኽእል፡፡

ብኻልእ ኣዘራርባ ዳርጋ ዝበዝሕ ናይቲ ውድብ መሪሕነት እቲ ወያነ ንቕድሚት ናይ ምቕፃል ድሌት ሰለዝህልዎ ረብሓታቱ ከምኡ ውን ናይቲ ዝውክሎ ክፋል ሕ/ሰብ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ውድብ ከቐፅል ምስ ዝኽእል ክወፅእ ወይ ክፍለ ድሌት ኣይህልዎን፡፡ ነዚ እኹል ኣብነታዊ ጉዕዞ ክህበና ዝኽእል ታሪኽ ኮሚንስት ውድብ ቻይና እዩ፡፡

ኣብ ቻይና ድሕሪ ማኦ ዜዱንግ ዝተፈጠረ ምዕባለ ሲዒቡ እቲ ውዱብ ገዘፍቲ ለውጥታት እንዳካየደ ፀኒሑን ይቕፅልን ኣሎን፡፡ ኣብ ግዜ ማኦ ዝተኣወጀን ዝተተግበረን “ናይ ባህሊ ወያነ” ዝፈጠሮ ፅልዋ ኣብ ቻይና ቁጣባዊ ምዕባለ ዳውታ ፈጢሩ፡፡ ድሕሪ ማኦ ዝመፀ ዴ ዤፒንግ ኣድላይነት ምርሓው በሪ ቻይናን ምትእታው ዓለም ለኻዊ ሓይልታት ዕዳጋን ኣነፂሩ ንተግባራውነቱ ቀፂሉ፡፡ አሊ ውን እቲ ውድብ ኣብ ግዜ ማኦ ዝነበሮ ዘይ ዴሞክራስያውን ፀረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት መርገፂን ክልሕልን ክእለን ቡዙሕ ፂዒሩ፡፡ ከም ውፂኡቱ ድማ ብመዳይ ቁጠባዊ ምዕባለ ኮነ ፓለቲካዊ ቃልሲ ህይወት ዘሪኡ፡፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ዝግበር ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ጎልቢቱ ዳርጋ ናብ ሓበራዊ መሪሕነት ገፁ ተሰጋጊሩ፡፡ ድሕሪ ዤፒግ ዝመፀ ጂያንግ ዘሚን ውን ነዚ ቐፂሉ፡፡

ኣብ ግዘ መሪሕነት ዘሚን ብቕድሚኡ ዝነበረ መሪሕነት ዝጀመሮ ለውጢ ቀልሉ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ቻይና ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰፊሕ ሕ/ሰባዊ ስግግር ማዕቢሉ፡፡ ሲፊሕ በዓል ሃፍትን ማእኸላይ መደብን ተፈጢሩ፡፡ ብኻልእ ገፁ ድማ ገዘፍቲ ማሕበረ ቁጣባውን ፓለቲካውን ዕልቕልቓት ማዕቢሎም፡፡ ንኮሚዩኒስት ውድብ ቻይና ዝፈታቱ ውን ኮይኖም፤፤ ናይ ግድን ንቕድሚት ክኸይድ ሰለዝነበበሮ ድማ ከከም ኣድላነቱ ምትዕርራያት በበግዚኡ ክሳለጡ ናይ ግድን ኮይኑ፡፡ እዚ ብፍላይ ምስ ምልዋጥ ማሕበራዊ መሰረት ሕ/ሰብ ቻይና ዝተዛመደ ፓለቲካዊ ለውጢ ኣብ ግዘ ሁ ጁንታኦ ገሊሁ ወፅዩ፡፡

ንውፅዓት ሸቃሎን ሓረስቶትን ክውክል የ ኢሉ ዝተፈጠረ ፓርቲ ኣብታ ሓዳስ ቻይና ፓለቲካዊ ፕሮግራሙ ትርጉም ስኢኑ፡፡ ሰለዝኾነ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሕ/ሰባዊ ለውጢ ከይበልዖ ፕሮግራሙ ክህድስ ተገዲዱ፡፡ ብዕሊ ውን ንሸቃሎን ሓረስቶትን ጥራሕ እየ ዝውግን ዝብል ኣብ ሕገ መንገስቲ እቲ ውድብ ዝነበረ መትከል ቀይሩ ሕ/ሰባዊ መሰረቱ ኣስፊሑ፡፡ ብሰለስተ ውክልናታት (three represents) ዝፍለጥ ሓዱሽ ፕሮግራም ፀዲቑ እቶም ካብ ውክልና እቲ ውድብ ወፃኢ ዝነበሩ ኣውፈርቲ ማልን ሙሁር ማእኻለይ ደርብን ናብቲ ውድብ ተፀምቢሮም፡፡ ብሓፈሻ ንሸቃሎን ሓረስቶትን ክውክል እየ ኢሉ ዝተፈጠረ ውድብ ብሰመሰረት ተሃድሶ ሰለስተ ውክልናት ናብዝብል ተሰጋጊሩ ሙዕቡል ኣፍራያይ ሓይሊ፣ ሙዕቡል ቻይናዊ ባህልን፣ ቻይናዊ ስልጣነን ኢና ንውክል ብባምል ማሕበራዊ መሰረቱ ሰፈሕን ሓቓፍን ጌርዎ፡፡

ገኒ ጊኒ ተሃድሶ ቻይና ክስገር ዘይግብእ ካልእ ምዕባለ፤ ነቲ ኣብ ፓለቲካዊን ቁጠባውን ስግግር ሕ/ሰብ ስዒቡ ዝተፈጠረ ብድሆታት ንምምእዛን ብደረጃ መሪሕነት ዝተኻየደ ዘገምታዊ ለውጢ እዩ፡፡ ኣብ ቻይና ምዕባለ ቁጠባዊ ዕብየት ክመፅእ ከሎ ብሓንሳብ ንኹሎም ፀገማት ዝቐርፍ ኣይነበረን፡፡ እካደኣስ ቅድሚኡ ዘይነበሩ ፀገማት ውን እዩ ሒዙ መፅዩ፡፡ ምስፋሕ ኣፈላላይ ክልላዊ ዕብየት፣ ምስፋሕ ኣፋላላይ ክልላውን ውልቃውን እቶት፣ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝግበር ፍልሰት፣ ካብ ዘይባዕባለ ክልላት ናብ ዝማዕበላ ክልላት ዝግበር ፍልሰት፣ ዓሌታዊን ሃይማኖታውን ግጭት፣ ስራሕ ስእነት፣ ናይ መሬት ኣጠቓቕማ ጎነፅ … ወዘተ፡፡ ነዚ ስዒቡ ውን ኣብ ቀዳምነት ረብሓታትን ውሰነ ፓሊስን እቲ ውድብ ኣፈላላያት ክሰፍሕ ግድን ከይኑ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ብድሆታት ምስ ምልዋጥ ማሕበረሳዊ መሰረት ተደሚሩ መሪሕነት ውድብ ቻይና ውን ከምኡ ናይ ዞም አፋለላያት ነፀብራቕ ኮይኑ፡፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ መሪሕነት ዝተፈላለየ ረብሓን ድሌት ዝውክሉ ባእታት ተፈጢሮም፡፡ እተኾነ እዞም ዝተፈጠሩ ባእታት ኣብ ምቕፃል መሪሕነት እቲ ውድብ ኮነ መሰረታዊ ዕላማታት እቲ ውድብ ኣፋላላይ ሰለዘይብሎም፤ ናይ ግድን ኣብ ምሃብ ቀዳምነት ረብሓታትን መፈፀሚ ፓሊስታቶም ክደራደሩን ሓበራዊ ነጥቢ ክረኽቡን ተደራዲሮም በብግፀም ኣብቲ ፅላል እቲ ውድብ ክቕፅሉ ዝጠልብ ምዕራፍ ኮይኑ፡፡

 ከምዚኦም ዝበሉ ናይ መሪሕ ባእታ ኣፈላላያት ክፍጠሩ ከለው ኣፈላላይ ፀቢቡ ናብ ሓበራዊ ነጥቢ ዓሲልካ ምኻድ መመራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ምኻኑ ዝተረድአ ወድብ ኮሚዩኒስት ቻይና እምበር ናይ ግድን ኣብ ዴሞክራሲ ውሽጠ ውድብ ክወፍር ከምዘለዎ ብምእማን ተጊሁ ሰሪሑ፡፡ ሰፊሕ ዴሞክራሲ ውሽጠ ውድብ ምስፋን ዝሰለዝተኽኣለ ከኣ ነዚ ተጋነፅቲ ረብሓታትን ድሌታት ዝውክል መሪሕነት ብመልክዕ ዘይሕጋዊ ግን ወድዓዊ ኣጃነት ናብ ክልተ ተኸፋፊሉ ስምምዕ ፈጢሩ፤ ምግምማዕ ከየደለዮ ንቻይና ይመርሕ ኣሎ፡፡ ዴሞክራስያዊን ትካላውን መሰርሕ እንተሎ ምግምማዕ ግድን ከምዘይከ ከኣ ንካልአት ውድባት ዕውት ተሞልሮ ኣሕሊፉ፡፡

2/ ተሃድሶ ኣብ ህወሓት/ኢህወዴግ

  ህወሓት ካብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ምዕበለታት ስዒቦም ዝመፁ ፓለቲካዊ ደውታትን ዕልቕልቓት እንዳፈትሐ ዝመፀ ውድብ እዩ፡፡ በብግዚኡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝፍጠሩ ፀገማት ንምእላይ ብደረጃ መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ውድብ ቃልሲ እንዳተወለዐ ከም መቐፀልታ ውን ናብ ታሕቲ መምርሒ እንዳወረደ ነንሓንሳእ ውሱናት ምትዕርራይ ነንሓሰእ ድማ ተሃድሶ ዘካየደ ውድብ እዩ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ምትዕርራያት ድማ ይብዛሕ ይንኣስ ገለ ኣካል ናይቲ ውድብ እንደተቐነሰ ወይ ውን ተገሚዑ እንዳተበርየ ክቕፅል ዝገበሩ ከይድታት እዮም፡፡ ኣብዛሕኡ ግዜ ህወሐት ኣብ መሪሕቱ ምክፍፋል ከጋጥም ከሎ “ሕንፍንፍሽ” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እዩ፡፡

ኣብ ታሪኽ ህወሓት ሕንፍሽፍሽ ገና ካብ መባእታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ዝነበረ እካ እንተኾነ፤ ጎሊሆም ዝወፁ ግና ናይ 1969፣ ናይ 1977ን ናይ 1993 ሕንፍሽፍሻት እዮም፡፡ ሕንፍሽፍሽ 1969 ብደረጃ መሪሕነት ዝተርኣየ ቁልውላው ኮይኑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝወሃብዎ እዩ፡፡ ገለ ሰባት ኣውራጃውነት ዝመንቀሊኡ ንሕንሕ ነይሩ ይብሉ፡፡ ገለ ድማ የለን የለን ውሑዳት ብቓልሲ ተስፋ ዝቖረፁ ዝፈጠሩዎ ውዥንብር ነይሩ ብሉ፡፡ ገለ ውሕዳት ውን  ልምሰት ዴሞክራስያውነትን መሪሕ ባእታ ዝፈጠሮ እዩ ነይሩ ይብሉ፡፡ ዋላ ውን ጥሉቕ መፅናዕቲ ዘድልዮ እንተኾነ ሚዛን ዝደፍእ መንቀሊ ሕንፍሽፍሽ 1969 እንታይ እዩ ምስ ንብል ንረኽቦ ሮቓሒ ግና ንሕንሕ ስልጣንን ውልቃውነት ዝብል እዩ፡፡ ነዚ ኣብቲ እዋን ጠንሰስቲ ኔሮም ካብ ዝበሃሉ ነቲ ቃልሲ ራሕሪሖም ዝወፁ ሳባት ውን ኣረጋጊፆሞ እዮም፡፡ ምኽንያቱ ብዘየግስ ግና ኣብ መንቀሊን ኣፈታትሓን እዚ ሕንፍሽፍሽ ፀረ ዴሞክራስያውነት ከምዝነበሮ ካብ ቡዙሓት ድርሳናት ታሪኽ ኣንቢብና ኢና፡፡

ናብ ናይ 1977 ዓ/ም ሕንፍሽፍሽ ክንመፅ ከለና ምስ ምሰረታ ማሌሊት ተዛሚዱ መስመርናን ወተሃደራዊ ስትራቴጅናን ንሓድስ ኣይንሓደስ ዝብል ኣፈላላይ ምስ ተፈጠረ ዝሰዓበ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ማሌሊት ጠኒሱ ዝመፀ ካብቲ ፈላማይ መሪሕነት (መብዛሕቲኡ መስራቲ ማገብት) ፍልይ ዝበለ ምናልባት ካልኣይ ትውልዲ መሪሕነት ነቲ ዝነበረ ስነሓሰብን ወተሃዳራዊ ስትራቴጅን ክቕይር ክጠልብ ከሎ፤ ኣረጋውን ግደይን ዓቀብቲ ኮይኖም ሰለዝተረኸቡ ኣፈላላይ ተፈጢሩ፡፡ ንሰለፍትሑ ድማ መድረኻዊ ክትዕን ገምጋም ተኻይዱ፡፡ ውሸጣዊ ዝርዝራቱ ገዲፍካ ብመንፅር ኣሰራርሓ ኣብ ህወሓት ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተኣለየ ኣፈላላይ ውን ተባሂሉ ክጥቀስ ዝኽእል ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ተዓፃፃፍነት ዘንጎሐ ኣስካል መሪሕነት ማሌሊት ስዒሩ ኣረጋውን ግደይን ካብ ውድብ ክሰናበቱ ኪኢሎም፡፡

ሕንፍሽፍሽ 1993 ዓ/ም መብዛሕኡ መንእሰይ ውን ዘርከበሉ ኣብ ፅባሕ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘጋጠመ ኣብ ታሪኽ ህወሓት ገዚፍ ምግምማዕ ዝፈጠረ ኣፈላላይ ውሽጠ ውድብ እዩ፡፡ እዚ ኣፈላላይ ኣብ መሪሕነት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ዝወለዶ ከይኑ ሳዕቤኑ ግን ካብ መሪሕነቱን ኣባላትን ሓሊፉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ውን ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ካልኦት ውድባትን ዝተፀባረቐ ሕንፍሽፍሽ እዩ፡፡

መፈላለዪ ነጥብታት እንታይ ኔሮም ዝብል ግና ክሳዕ ሕዚ ዝነፀረ እካ እንተዘይኮነ ሰዓርን ተሰዓርን ጉጅለ ነናይ ባዕሎም ምኽንያታት የቕርቡ፡፡ እቲ ሰዓሪ ነቲ ተሰዓሪ ብብልሽውናን ምብስባስን ክገልፆ ከሎ፤ እቲ ተሰዓሪ ድማ ነቲ ሰዓሪ ብተምበርካኽነትን ጥሕሰት ሉእላውነት ሃገርን ይኾሰ፡፡

ውፅኢታቱ ክንርእ ከለና ግና ክልቲኦም ሓይልታት ዳርጋ ብዝሓዝዎ ዝፀንዑ ይሰሉ፡፡ ተሰዓራይ ጉጅለ ውፁእ ሓደ ዓይነት ቅዋም ኔርዎ ዶ ካልእ ሕቶ ኮይኑ ገለ ኣካላት ናይዚ ኣንጃ ውድብ ኣጣሾም ገሊኦም ከኣ ብውልቂ ሉእላውነትን ተምበርካኽነት መሰረት ጌሮም ነቲ ሰዓራይ ጉጅለ ምኽሳሶም ኣይገደፉዎን ዘለው፡፡ ሰዓሪ ውን ሓደጋና ምስብባስን ብልሽውናን እዩ ኢሉ ነዚ ዝምክት ዝበሎ ልምዓተዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ኣጣይሱ፡፡

ሎሚ ከም ኣባል ህወሓትን ሙሁር ክምዝኖ ከለኹ፤ ኣድላይነት ልምዓታዊ መነግስቲ ተቐቢሉ ከምኡ ውን ብሽም ሉእላውነት ዝተልዓለ ዘይኣድላይነት ወራርን ተስፋሕፋሕን ጉጅለ ነፂገ ኣብ ኣተኣላልያ አፈላላይን ቀንዲ ምኽንያታት ሕንፍሽፍሽ ውልቃዊ ርኢቶ ከቐምጥ፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ናብ ክልተ ዝገምዐ ኣፋላላይ 1993 ጎሊሁ ቅድሚ ምውፅኡ፤ ቅድሚ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረን ኣብ ግዘ ኩናት ድማ ከምዝተጋፍሐን  ተደጋጋሚ ዝዘረብ እዩ፡፡ ቅድሚ ኩናት እንታይ ዓይነት ኣፈላላይ ነይሩ ምስ ንብል ዋላ ውን ዳሕራይ ኣብ ቅነ ውዑይ ፅልኢ ብክልቲኤን ጉጅለታት ብልሽውናን ተምበርካኽነትን ዝብሉ ኣምራት እንተመፁ፤ ሚዛን ዝደፍእ ሮቓሒ ግን ንሕንሕ ስልጣንን ግጭት ረብሓን መሪሕነት ከምዝነበረ ብጭቕ እንዳበለ ዝወፅእ ዘሎ ሓቅታት ኣሎ፡፡

ድሕሪ ስዕረት ደርጊ መሪሕነት ህወሓት ካብ ዓርሰ ተወፋይነት ወፅዩ ግለ ስብእና እንዳማዕበለ ምስ ከደ ብፍላይ እቲ ማሌሊታዊ ሓይሊ ኣብ መቐሎ ስልጣን ረብሓን ተፀሚዱ ዝዓበየ ስእሊን ሓበራዊ ዕላማ ንጎኒ ገዲፉ፤ ኣፈላላያቱ ይሰፍሕ ከምዝነበረ ሎምሎሚ ዝበርህ ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡ ካልእ ተወሳኺ ሮቓሒ ኣፈላላይ ምናልባት ውን መማቐሪ ነቲ ውልቃዊ ባህርታት ክኸውን ዝኽእል ከኣ ንትግራይ ዝሕለቕን ንማእኸላይ መንግስቲ ዝሕለቕን ዝብሉ ስያመታት ይፈጠሩ ምንባሮም እዩ፡፡ እቲ ንትግራይ እየ በሃሊ ከም ትምክሕተኛ ወይ ፀቢብ ብሄርተኛ እቲ ናይ ማእኸል ድማ ከም ዴሞራስያዊ ብሄርተኛ (ገፊሕ) ብናተይ ኣረዳድኣ ስኩፍ ፓለቲከኛ ዝብሉ አፋለላያት ውን ናይዚ ዝምዕብል ዝነበረ ኣፈላላያት ካልኦት ገፃት ነይሮም፡፡

ኣብ መወዳእታ ንሕንሕ ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብ እዋን ኩናት ኢትዮጵደያን ኤርትራን ሰማይ ዓሪጉ ምትኹታኽ ምስቀፀሉ ኮር መሪሕነት ህወሓት ፈጋዕጋዕ ኢሉ ናብ ዘይተርፍ ወጥርን ዕግርግር ኣትዩ፡፡ ምክፍፋል መሪሕነት ናብ ኩሎም መሓውራት ውድብን ትካላት ማእኸላይ መንግስቲን ብቐንዱ ምክልኻል ሃገር ሊሒኹ ውድብ፣ ክልልናን ሃገርናን ናብ ፈታኒ ምዕራፍ በፂሑ፡፡

ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና ዓብይ ቁውምነገር እቲ ኣፋለላይ ገፊሑ ነቲ ቅድም ኢሉ ተተሓዙ ዝነበረ ገምጋም 10 ዓመት ናብ መደረኽ ክሳለጥ ቀንዲ ምኽንያት እኳ እንተነበረ፤ እቶም ብኽልቲኡ ገፅ ዝቐርቡ ዝነበሩ ኣጀናድታት ምስ ንርኢ ውሽጣዊ ኣፈለላይ ካልእ እንዳሃለወ ከም መጠቓቕዒ ዝተፈተሉ ውዲታት እዮም ነይሮም እንተበልና ምግናን ኣይኸውን፡፡ ርግፅ እዩ ክሕለፉ ዘይክእሉ ኣፈላላያት ነይሮም እዮም፡፡ ኣድላይነት ልምዓዊ መንግስቲ ውን ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይነበረን፡፡ እቶም መወቓቕዒ ኣብትርቲ ኮይኖም ዝቐርቡ ዝነበሩ ፅሑፋትን ስነ ሓሳባዊ ምጉታትን ግና ንምዝባጥ እምበር ነቲ ሓቀኛ ፀገም ዝፍትሹን ወድዓውን ግብራውን ፀገማት ዘማእኸሉ ነይሮም ኢለ ክቕበል ኣይክእልን፡፡

በቲ ሓደ ገፅ በትሪ ቦናታሪቲዝም ፀረ ምብስባስ በቲ ካልእ ገፅ በትሪ ተምበርካኽነት ፀረ ምግሃስ ሉእላውንት ንውሽጢ ዘሊቕካ ክትሪኦም ከለኻ ሰባትን ናይ ገለ ሰባት ጉጅለታትን ዘነፃፀሩ ንምስዕዓር ዝተኣልሙ ምንባሮም ኣየጠራጥርን፡፡ ክልቲኦም ጉጅለታት ንምፍትሑ ቀሊል ዝነበረ ኣፈላላያት ሒዞም ክንሶም፤ ህልኽን ውልቀ ስብእናን ዝዓብለሎ ቅዋማት ሰለዝነበርዎም ጥራሕ ክሰዓዓሩን ክጠፍኡን መሪፆም፡፡ እምበር ከምቲ ደሓር ኣጋፊሖም ዘቐፀልዎ ኣፈላላያት ክፈጥሩ ድሕረባታ እቲ ውድብን መሪሕነትን ዝፈቅድ ኣይነበረን፡፡ ዳርጋ ውን መብዛሕቲኦም ተዋሳእቲ ሕንፍሽፍሽ 1993 እቶም ካብ 1977 ዓ/ም ጀሚሩ ማሌሊታዊ ሓይሊ ኮይኖም ሓቢሮም ነቲ ውድብ ዝተቖፃፀሩ ኣመራርሓ ሰለዝነበሩ፤ ብናይ ብርሃን ፍጥነት ከክንድቲ ኣፋላልዩና ዝብልዎ ስነሓሳባዊ ኣፈላላይ ክፈጥሩ ዘይሕሰብ እዩ፡፡ እንታይ ደኣ እንቴልና ዓዊልካ ዘይዝረብ ወልቃውን ግለ ስብእናውን ሃለኪ ንኹሉ ኣምሪሩ ሰለዝሓዞ ብሽፋን ሰነሓሳብን ካብ ምስንጣቕ ፀገሪ ዝኸብድ ናይ ቃላትን ሓረጋትን ክትዕ ውድብ ክገማማዕ በቒዑ፡፡

ከምኡ ሰለዝነበረ ውን እዩ ብጀካ እቲ ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዝተመዝገበ ቁጠባዊ ዕቤት ዝመርሕ ዘሎ መስመር ልምዓታዊ መንግስቲ፤ ካልኦት ዝርዝር ሓሳባት ክልቲኡ ጉጅለ ዝረብሕ ንፁርነት ዘይረኸቡ፡፡ እቲ ተሳዓሪ ጉጅለ ዝኣለሞ ቀንዲ መሰለፊ ነጥቢ፤ ጉዳይ ሉእላውነት ካብ ቅሬታ ዝዘለ ትርጉም ዘለዎ ኣጀናዳ ክኸውን ኣይከአለን፡፡ እቲ በስቢስና ጨኒና ብልሽውነት ወሪሩና ዝብል ኣምራት ሰዓራይ ጉጅለ ውን ምናልባት እቲ ዝተብሃለ ገዲዱ ከይኸውን ከድምዮ ኣይከኣለን፡፡ ስርቅን ጉሕለትን ንበሎ ብልሽውና ድሕሪ ተሃድሶ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ፡፡

ከምኡ ውን እቶም ህወሓት ከም ኣንፈታት ሕዳሰ ድሕሪ ሕንፍሽፍሽ 1993 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ ዝተነፀሩ ሽግራት ማለት ውን፤

* ብንፁር ኣመራርሓና  ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይገበረ በዚ ኣቢሉ ውን ናይ ውሽጢ ወድብ ኣሰራርሓታት ተዘሓሒሉ

* ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓታት ሰለዘይፀረየ ኣብ ክንዲ ግልፅነትን ተሓታትነት ኢደ-መነንነት

* ኣብ ክንዲ ስጡም ትካላዊ  ኣሰራርሓ ናይ ወልቀ ሰባትን ምትእስሳርን ሰንሰለትን መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ

* ኣብ ክንዲ ዴሞክራስያዊ ቃልሲ ሓምየትን ምጉጅጃልን

* በለፅን ፅግዕተኛነትን

* ፀረ-ዴሞክራስያዊነት

ከምዘለው ወይ ድማ ተጋዲዶም ክቕፅሉ ከለው ክትርኢ ከለኻ ድማ ብዝበለፀ እቲ ኣፈላላይ ንሃልክን ምስዕዓርን እንተዘይነብር፤ ኢሉ ውን ዝማዕበለ ውሽጠ ዴሞክራስን ናይ ሓሳብ ምክእኣልን እንተዝነበር ከክንዲ እቲ ዝተኸየደ ምኻድ ኣይመድለየን ነይሩ ትብል፡፡

በቲ በለቲ ሕንፍሽፍሽ 1993 ብሰዓርነት ተሃድሶ ተዛዚሙ ውድብ ውን ፍርቂ ኣካሉ ቆሪፁ ድርብዩ፡፡ ካብ ቅርቅቲ ውድብ ጀሚሩ ክሳዕ ታሕቲ ሓልሊፉ ውን ካብቲ ውድብ ወፃእ ዘሎ ትካላትን ክፍሊ ሕ/ሰብን ውን ለኻኺሙ ሓሊፉ፡፡

ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ ካልኦት ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ወን ተሰተፍቲ ምንባሮም ሩዱእ እዩ፡፡ ብደረጃ ብሄራዊ ውድባት ብጀካ ብኣዴን ካልኦቶም ከከም ዓቕመም ሳዕቤን እቲ ሕንፍሽፍሽ ተቓዲሶም እዮም፡፡ ብኣዴን ግና ኣብ ህወሓት ዝጠፍአ ስኒት ዕድል ሰለዝሃቦ ምስቲ ሰዓራይ ጉጅለ ህወሓት ኮይኑ ንነብሱ ከመይገምገመ ምክትል መሪሕ ተዋሳኣይ ኮይኑ ተጫዊቱ፡፡ ወትሩ ውን ይብዛሕ ይንኣስ ካብ “ትምክሕቲ” ፀርዩ ዘይፈልጥ ብኣዴን በቲ ሓደ ገፅ ናይ ህወሓት ልዕልና ንምጉታም በቲ ኻልእ ገፅ ከኣ ከም ሃናፃይ ተራ ሃገር ካብ ቅልውላው ንምክልኻል ከክንዲ ዝኸኣሎ ተዋሲኡ እንተበልና ርትዒ እዩ፡፡

ድምር ኣቢልና ሕንፍሽፍሽ 1993 ክንሪኦ ከለና ካብ ስነሓሳባዊ ፍልልይ መሪሕነት ህወሓት ንላዕሊ ውልቃዊ ሃልክን ውልቀ ስብእናን ዝዓብለሎ ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ኣብ ውድብን ህዝቢ ትግራይ ገዚፍ ሰለሎ ዝገደፈ ክስተት ነይሩ፡፡ ዋላ ውን ንምንጋዕ ውድብ ቀንዲ ሮቓሒ ኣይኹን መስመር ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ነፂሩ ምውፅኡ ከኣ ካልእ ዝምስገን ምዕባለ ምኻኑ ምቕባል ግድን ይኸውን እብል፡፡ እንተኾነ ሕቶ ልምዓታዊ መንግስቲ ቀንዲ ኣፈላላይ ነይሩ ኢለ ክቕበሎ ግና ኣይወሓጠለይን፡፡

Photo - Tigray martyrs memorial statute
Photo – Tigray martyrs memorial statute

3/ ፓለቲካል ኢኮኖሚ ድሕረ ተሃድሶ 

ድሕሪ ተሃድሶ ብልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ዝምራሕ ፖለቲካል ቁጠባ ክንሃንፅ ኢና ተባሂሉ፤ በቢ ዘፈሩ ንፁራት ፓለስታት ወፅዮም ግዕዞ ተጀሚሩ፡፡ ኣብ ሕርሻ፣ ኢንዳስትሪ፣ ትምህርቲ፣ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ … ወዘተ ፓሊስታት ወፅዮም፡፡ ዕላማ እዚ ፅሑፍ ገምጋም ዝርዝር ፖሊስታት ሰለዘይኮነ ግና ብሓፈሻ እንትርአ ምስ ውስንነቱ ፅቡቕ ቁጣባዊ ልምዓት ተመዚጊቡ ኢልካ ምሕላፍ ዝበለፀ ይኸውን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ኣብ ትግራይ ብዝበለፀ ድማ ኣብ ማእኸል ሃገር ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት ዝፈጠሮ ሕ/ሰባዊ ለውጥታት ምግምጋምን ምስትንታን ግና ኣገዳሲ ሰለዝኾነ ናብኡ ክኣቱ፡፡

ኣፍልጦ ዝረኸበ ቁጣባዊ ዕብየት ሃገርና ይቕፅል ኣሎ፡፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ልምዓት ሕርሻን ኢንዳስትርን ከምኡ ውን ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዕብየት ተሳሊጡ፡፡ በብግዚኡ ናይ 5 ዓመት መርሃ ግብሪ እንዳተብሃሉ ዝተቐረፁ ፕሮግራማት ልምዓት ዛጊት ሰለስቲኦም ተወዲኦም ኣብ ካልኣይ ዓመት ኣፈፃፅማ ትልሚ ዕብየትን ስግግር ክልተ (GTP-2) ንርከብ፡፡

ተኻታታሊ ዕብየት 13 ዓመታት ኣሃዛዊ መገለፅታቱ ብዘየግስ በሃገር ደረጃ ብዓይኒ ዝረኣዩ ሕ/ሰባዊ ለውጥታት ፈጢሩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ኣዝዩ ስሉጥ ዕብየት ተራእዩ፡፡ ኣብ መንገድታት፣ ፀዓት አሌክትሪክ፣ ተሌኮምዩኒኬሽን፣ መጎዓዝያ ባቡርን ኣየርን ዝምስገን ዕብየታት ሪኢና፡፡ ብመዳይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽፋን ፅሬት ጥዕና ብዓለም ደረጃ ውን ዝተመሰገነ ለውጢ ተፈጢሩ፡፡ ብመዳይ ትምህርቲ ውን ሕቶ ፅሬት ከምዘለዎ ኮይኑ ሽፋኑ ዝምስገን እዩ፡፡ ኣብ ትምህርቲ ዋላ ውን ሃገርና ኣዝዩ ዘድልያ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ከምቲ ዝድለ እንተዘይሃበ ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ተመዚግቡ፡፡

ብሐፈሻ ኣብቶም ዓበይቲ ዘፈራት ዋላ ውን ነቲ ዝተኣመተ ሽቶ ምስላጥ ቁጠባዊ ሽግግር ዝምጥን ኣይኹን እምበር ዕብት ኣሎ፡፡ ጠቕላላ ምህርቲ ውሽጢ ሃገር ዓብዩ፡፡ ግብርና ውን ኣፍራይነቱ ወሲኹ፡፡ ኢንዳስትሪ በቲ ዝተተለሙ ተጋዒዙ እንተዘይትሃለ ውን ኣብ ስሉጥ ዕብየት ይርከብ፡፡ ብስሕበት ናይ ደገ ኢንቨስትመንት ፅቡቕ ምልዕዓል ተፈጢሩ፡፡ እንተኾነ ኣፍራራይ ዘፈር ኢንዳስትሪ ዘዕግብ ኣይኮነን፡፡ ብመዳይ ዘፈር ኣገልግሎት ውን ፅቡቓት ለውጥታት ተመዚግቦም፡፡ ሕዚ ውን ግን እዚ ዘፈር ንዕብየት ፀጋ ትሪዝም ኣገዳሲ ሰለዝኾነ ቡዙሕ ፅፈትን ስልጠት ዘለዎ ዕብየት የድልዮ፡፡ እዚታት ብሃገር ደረጃ ዝተርኣየ ምዕባለ ቁጣባ እዩ፡፡

ብደረጃ ትግራይ ክንመፅእ ከለና ዕብየት ከምዘሎ ኮይኑ ካብቲ ብሀገር ደረጃ ዝርአ ቁሩብ ዘሰክፍ ምዕባለታት ሪኢና፡፡ ኣብ ትግራይ ሓፈሻዊ ዕብየት ከምዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ ኮይኑ፤ ምስ ዕብየት ማእኸል ሃገር ክረኣይ ከሎ ግና ምፅንፃን ዘድልዮ ዝሕታለ ተራእይዎ እዩ፡፡

ሓቂ እዩ ሕርሻን ገጠር ልምዓት ትግራይ ለውጢ የምፅእ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ብመንፅር ዘለቒ ልምዓት ክምዘን ከሎ ምሕዋይ ተፈጥሮን ዕቀባ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝምልከት ቡሉፅ ተምክሮ ኣለና፡፡ ሕርሻ ብኣፍራይነቱ ክልካዕ ከሎ ግና ናብ ኣሃዛዊ መግለፅታት ከይኣተና ምስ ዓወቱ ውሱንነት ኣለዎ፡፡

ኢንዳስትሪ ውን ዕብየት ኣመዚጊቡ እዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ትግራይ ምስቲ ዝለዋ ማል ከውፍር ዝኽእል ሕ/ሰብ፣ ሰፊሕ ዝተምሃረ ሕ/ሰብ፤ ብሃገር ደረጃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ምስፍሕፋሕ ከተማን ሰፊሕ ናይ ከተማነትን ባህርን፣ ብመንፅር ንፅፅር ረብሓ ኢንዳስትሪ ኣብ ትግራይ ዝበለፀ ዘፈር ምኻኑ … ወዘተ ክንሪ ከለና ዘዕግብ ኣይኮነን፡፡ ዕብየት ኢምዳስትሪ ትግራይ ብቐንዱ ኣብ ውሱናት ትካላት ትእምትን ናይ ከተማ ደቀቕትን ኣናእሸቱን ትካላት ዝተወሰነ ይመሰል፡፡ ምስቲ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝተርኣየ ዕብየት ኢንዳስትሪ ክነፃፀር ከሎ ውን ዕብየት ኢንዳስትሪ ትግራይ ቅድም ክብል ዝነበሮ መሪሕነት እንዳተመንጠለ ንድሕሪት ይተርፍ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ቀንዲ ክረአ ዝግብኦ ዛዕባ ጉዳይ ኢንቨስትመንት ኮይኑ ትግራይ ንድሕሪት ተትርፍ ኣላ ዝብል ገምጋም ተደጋጋሚ ዝግለፅ እዩ፡፡ ሓቂ ውን እዩ ኣብ ማእኸል ሃገር ብደቂ ዓድን ናይ ደገ ኢንቨስተራትን ዝተተኸሉ ኣፈረይቲ ኢንዳስትርታት ኣብ ትግራይ ዳርጋ የለውን፡፡ ብመዳይ ኢንቨስትመንት ውሽጢ ዓዲ (ውልቀን መንግስትን) ኣብ ዘፈር እንዳስትሪ ምስ ናይ ማእኸል ሃገር ትሑት ዩ፡፡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከኣ ብጀካ ብትልሚ ዝተትሓዙ ኣለውያ ዝበሃሉ ዳርጋ የለን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡

ሰለምንታይ ኢንዳሳትሪ ትሒቱ ክንብል ከለና ዝተፈላለዩ ሓሳባት ምፅብራቖም ኣይተረፎምን፡፡ ገለ ሰባት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ መንግስቲ ኢንቨሰትመንት ክስሕብ ይትረፍ ኣሰራርሑ ንዘለው ውን ዘባርር እዩ ዝብሉ ብሓደ ገፅ ከም ምኽንያት የቐምጡ፡፡ ውስንነት ከምዘለኹ ኮይኑ ቀንዲ ምኽንያት ሰለጤን ዘይብሉ ዕብየት ኢነድሳትሪ ትግራይ፤ ጂኦፖለቲካዊ መርክቦ ዝወለዶ ቀጠና ኣይኩናት ኣይሰላም ሰለዝኾነት ዝተፈጠረ እዩ ዝብል ድማ ብኻልእ ገፅ ዝቕመጥ እዩ፡፡ 

ብሓፈሻ ግና ኣብ ትግራይ ብሰለስቲኦም ዘፈራት ቁጣባ ከምኡ ውን አብ መሰረተ ልምዓት ዕብየት ኣሎ፡፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ውን ምስ ፀገማቱ ንቕድሚት ዝወሰድ ዩ፡፡ ጥዕናን ትምህርትን ተሳፍሕፊሖም፡፡ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ዝምልከት ካብ ሕሉፍ ጉዕዞ ዝተፈለየ ምንቁልቃል ኣሎ ይብሉ ቡዙሓት ሰባት፡፡ ቱሪዝም ትግራይ ምስ ንፅፅራዊ ፀጋታታ ኣየድመየትን ዝብል ከኣ ብዘይ ማይ ዝወሓጥ ሓቂ እዩ፡፡ ዕብየት የለን ማለት ግና ኣይኮነን፡፡

ብሓፈሻ ፓለቲካል ቁጠባ ተሃድሶ ኣዎንታዊ ለውጥታት ፈጢሩ፡፡ ከምቲ ንምነዩ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ማሕበረ-ቁጣባዊ ስግግር ንፈጥር ዶ ዝብል ንሕቶ ክፍቲ ጌርና፤ ዝጭበጥ ዝድህሰስ ዕብየት ኣሎ፡፡ እቲ ዝተፈጠረ ዕብየት ዝፈጠሮም ዓበይቲ ፀገማት ክህልው ድማ ባህርያዊ ምዕባለ ሰለዝኾነ ንዕኦም ንርአ፡፡

ሕዚ ውን ብደረጃ ሃገርን ትግራይን ፈሊና ንርኣዮም፡፡ ኣብ ሃገርና ዕብየት ክፍጠር ከሎ ንሱ ባዕሉ ዝፈጠሮም ፀገማት ከኣ ኣለው፡፡ ሲፊሕ ጠላቢ ሕ/ሰብ ተፈጢሩ፤ ሕ/ሰባዊ መሰረት ህዝብታት ሃገርና ዋላ ውን ውስን እንተኾነ ይልውጥ ኣሎ፤ ዕብየት ከተማታትን ጠለብ ኣገልግሎትን ወሲኹ፤ ናይ ዋጋ ናህሪ ወሲኹ፣ ኢንቨስትመንት ዝፈጠሮ ናይ ግጭት ረብሓ ማዕቢሉ፣ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ፍልሰት ወሲኹ፣ ካብ ሃገር ወፃእ ዝግበር ዘይሕጋዊ ፍልሰት ወሲኹ፣ ሰፊሕ ዝተምሃረ መንእሰይ እሞ ድማ ከኣ ሓታታይ መንእሰይ ተፈጢሩ፣ ሸቕሊ ኣልቦነት ዓብዩ … ወዘተ፡፡ እዚኦምን ከምዚኦምን ዝበሉ ፀገማት ይብዛሕ ይንኣስ ነቶም ሕዚ ኣብ ሃገርና ዝረኣዩ ዘለው ቁልውላዋት ምኽንያት እዮም ኢልና ክንወስድ ከኣ ግድን እዩ፡፡

ብደረጃ ትግራይ ክንመፅእ ከለና ካብቶም ሃገራዊ ዕብየት ዝፈጠሮም ብድሆታት ዘይፍለዩ ከምኡ ወን ከም ትግራይ ጥራሕ ዝተፈጠሩን ኣብ ዘመነ ፓለቲካል ቁጠባ ተሃደሶ ዝተፈጠሩ ማሕለኻታት ኣለው፡፡ ንሳቶም ከኣ ጣላቢ ሕ/ሰብ ምፍጣሩ፣ ትሑት ዓቕሚ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ኣብ ከተማታትና ምናልባት ወን ካብ ማእኸል ሃገር ዝኸፈ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ዋላ ውን ከምሓደጋ ኣይወሰድ ዘይምዕሩይ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ኣዝዩ ስሉጥ ምዕባለ ከተማታት ግን ድማ ውሱን ቀረብ (ማይ)፣ ዋጋ ናህሪ፣ ዘይሕጋዊ ስደት፣ ናብ ካልኦት ክልላት ዝግበር ስደት፣ ሰፊህ ዝተምሃረ መንእሰይ፣ ፈጣን ምልውዋጥ ማሕበራዊ መሰረት … ወዘተ፡፡ ካብ ማእኸል ሃገር ዝተፈለየ ብድሆ ትግራይ ናብ ዝብል ምስ ንመፅእ ከኣ፤ ዘይተማልአ ሰላም፣ ኣዝዩ ዘሰክፍ ዘይሕጋዊ ስደት፣ ዘይተወዳዳርነት ቁጣባ ክልልና ዝብሉ ንረክብ፡፡

ነዞም ፀገማት እዚኦም ብፍላይ ብሃገር ደረጃ ፍታሖም እንታዩ ክንብል ከለና፤ ነቲ ዘሎ ልምዓት ኣሐይሉ ዘቐፅል ብርቱዕ ልምዓታዊ ዴሞክራስያውን መንግስቲ ዝብል እዩ ዝኸውን ናተይ መልሲ፡፡ ዴሞክራስን ልምዓትን ክልቲኦም ብናህሪ ክሳለጡ ምግባር፡፡ ብዓይኒ ትግራይ ውን ተመሳሳሊ ኮይኑ፤ ብፍሉይ ድማ እቶም ትግራይ ተኮር ዝኾኑ ፀገማት ክእለዩ ምግባር፡፡ ጠንቂ ዘይርጉዕ ሰላምን ገዛ ሕድሕድ ስድራቤት ዘንካሕኩሕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ክህሉ ዝገበረ ደውታ ምፍታሕ፡፡

ኣብዚ እዩ እምበኣር ጉዳይ ምሕደራን መሪሕነት ቀንዲ መፍትሕ ኮይኑ ዝመፅእ፡፡ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓት/ኢህወዴግ ነዚአን ክፈትሕ ይኽእል ዶ? ሃገርና በቲ ሒዛቶ ዘላ ምቕፃል ናይ ሞት ሕየትን ካብ ኮነ ህወሓት ኢህወዴግ ናይ ብሓቂ ዉፉይ ልምዓታዊ መንግስቲ ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክስመረሎም ዝግብኡ እዮም፡፡

ነዚ ኣመልኪቱ ህወሓት/ኢህወዴግ ፈጣን ቁጣባዊ ዕብየትና ንምቕፃል በብግዚኡ ዝዓቢ ዘሎ ጠለብ ሕ/ሰብና ንምምላስ ከምኡ ውን ምሕደራ ቁጠባዊ ዕብየትና ንምሕያል ፀገማትና ፈትሽና ኣለና ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ ኣፍሊጡና፡፡ ሰለዝኾነ ውን ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ክራይ ኣካብነትን ቀንዲ ፈተናታት ዮም ክብል ዕላዊ ኣንፈት ሒዙ፡፡ ልዕሉ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ውን ፀገማተይ ከይኣሊ ዝኣስረኒ ዘሎ ዴሞክራሲ ውሽጠ ውድብን ፅሬት ኣሰራርሓይን ከም ዝበለ ውን ካብ ኣፍ ቀዳማይ ሚንስቴር ሃይለማርያም ደሳለይ ዝዝከር እዩ፡፡

ድሕሪ ጉባኤ 2007 ከኣ ሰፊሕ ጎስጋሳት ክካየዱ ሪኢና፡፡ ብሀገር ደረጃ ወፍሪ (ዋላ ትኽክል ኣይኹን) ሰናይ ምምሕዳር ዝብል ተኣውጁ፡፡ ኣንፃር ክራይ ኣካብነት ውን ከምኡ ምቁርራፅ ኣይነበሮን እምበር ተኻይዱ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ወፍርታት ውፅኢት ገምገም ጉባኤ 2007 ዓ/ም ምኻኖም ከኣ ዕምቆት ዝግድሎም ብወፍሪ ዝካየዱ ምኻኖም ነቒፍና፤ ብሰፋሕቲ ምርምራት ተደጊፎም ብፍላይ ብመፅናቲ ዝተደገፉ እንተኾይኖም ተስፋ ዝህቡ እዮም ተባሂሉ፡፡ ቡዙሓት ተመልከቲን ሙሁራትን ሰፊሕ መፅናዕቲ ተኻይዱ ነቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝምጥን መሓውራት እንተተሃኒፆም ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ እቲ ውድብ ውን በሊሕ ውሽጠ ውደባዊ ቃልሲ እንተተኻይዱ ልምዓታዊ መንግስቲ ሃገርና ክድልድል እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተሰኒቑ፡፡

ብመዳይ ዴሞክራሲ ውን ኣይተ ሃይለማርያ ንስለ ስፍሓቱ ዝተፈላለዩ መፀዋዕታት ኣካይዶም፡፡ ምስተቓወምቲ ውድባት ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም፡፡ ሚድያታት ሃገርና ካብ ልሙድ አሰራርሓ ፈንተት ኢለን ናይ ምርመራ ጋዜጠኝነት ከሳልጣ ፃዊዕት ቀሪቡ፡፡ ከም ውፅኢቱ ውን ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት ተስፋ ሓዚሎም ተዓዚብና፡፡ 

ኣብ ማእኸሉ ሕዳር 2008 ዓ/ም ብጉዳይ ማስተር ፕላን ኣዲስኣበባ ዝተልዓለ ዕግርግር ተወሊዑ፡፡ ዳርጋ ናብ ቡዙሓት ከባብታት ኦሮምያ ሊሒኹ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ቡዙሕ ክሳራታት ኣብፂሑ፡፡ ናዕቢ ኦሮምያ ወላ ውን ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት እንተዘይነበሮ ተጋሩን ህወሓትን ዘተኮረ ናይ ጠቐነን ጥቕዓትን ፕሮፓጋንዳ ነዚሑ፡፡

ብኻልእ ገፅ ኣብ ሰሜን ጎንደር ካልእ ናዕብን ህውከትን ተወሊዑ፡፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝዓረደ ብሽም ኮሚቴ ዝፅዋዕ ጉጅለ “ሕቶ ማንነት ወልቃይት ኣምሓራ” ዝብል ጭርሖ አንጊቡ ወራርን ምስፍሕፋሕን ኣዊጁ፡፡ ቡዙሕ ናብ ቁሉዕ ናዕቢ ከይኣተዎ ዓመት መሉእ ፀረ ትግራይ ዝኾኑ ምትኹታኻት ቀፂሎም፡፡ ተመሳሳሊ ጉዳይ ቅማንት ተነሃሂሩ ናብ ቁልዕ ገንፂ ተሸጋጊሩ ደም ምፍሳስ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ሴሜን ጎንደር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጠረ ዕግርግር ግና ሓድሽ ኣይነበረን፡፡ ካብ መፈለምታ ምስረታ ሓዳስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ክቦክዕ ዝፀንሐ እምበር፡፡ እንተኾነ ገፅ ብኣዴን ሪኡ ኣብ 2008 ናብ ዝኾፈአ ምሽግጋሩ ኣይተረፎን፡፡

ብኣዴን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ናብ ኢ-ኢህወዴጋዊ ሓይሊ ይሸጋገር ከምዝነበረ ብግልፂ ዝተርኣየ ውን ኣብዚ ዓመት እዩ ዝነበረ፡፡ ብኣዴን ካብ ሓቂ ጎቢጡ ዘይነበረ ታሪኽ ገድሊ ነይሪኒ ክብል ኣብ ፅብምል መበል 35 ዓመቱ ናብዘየለ ሃተውተው ኣትዩ፡፡ ታሪኽ ህወሓትን ተጋዳላይ ህወሓትን ኣብ ጠላዕ ቀጥሪ ክዘምት ተራእዩ፡፡

ከምዚኦም ዝበሉ ነውራማትን ፀረ ተጋሩ ህወሓትን ምንቅስቓሳት ካብ  ገለ መሪሕነት ብኣዴን ዝረኣዩ ኣብ ሴሜን ጎንደር ባይታ ዝረኸቡ ፀረ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ሃገርና ዝኾኑ ሓይልታት ድማ ብተዘዋዋርን ብቐጥታን ስርዓት ከፍርሱ ተንቀሳቒሶም፡፡ ብኣዴን ባዕሉ ዘዕጠቖም ምልሻታትን ናይ ክልል ፓሊስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅማንት ጨፍጫፍ ፈፂሞም፡፡ተመሳሳሊ ብኣዴን ኣብ ዝመርሖ ክልል ፅላል ዝረኸቡ ዘይሕጋዊ ሕቶ ዝተሰከሙ ኮሚቶታት ኣብ ከተማ ጎንዶር ኮይኖም ዘይንቡር መንገዛ ህዝቢ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ክእውጁ ሓግዮም፡፡

ኣብ ወርሒ ሓምለ እዚ ጉጅለ ምስ ራዕደኛ ጉጅለ ርክብ ኣለዎ ምስተብሃለ እሞ ንሰለ ድሕንነት ሃገር ስጉምቲ ይወሰዶ ምስተብሃለ ከኣ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ፀረ ሃገራዊ ሉእላውነት ብምኻን ሓይልታት ፀፅታ ስርሖም ከይሰርሑ ዕንቅፋት ኮይኑ ናብ ዶም ምፍሳስ ተኣትዩ፡፡ ዕግርግር ምስተፈጠረ ውን ኣብ ጎንደር ዘርኣዊ ጥቕዓት ተጀሚሩ፡፡

ዕግርግር ረግአ እንትብሃል ተመሊሱ ኣብ ጎንዶር ፍፁም ዘይሕጋዊ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ዝእውጅ ሰልፊ ተኻይዱ፡፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንመሰል ዘይኮነስ መሬት ትግራይ ክጎብጥ ህዝቢ ተኣኪቡ ሆ ኢሉ፡፡ ህወሓትን ዝውክሎን ዝመረፆን ህዝቢ ትግራይ እንዳሃለወ ውን ፀረ-ህወሓትን መሪሕነቱ ብግሊፂ ፃውዒታት ቀሪቡ፡፡ በዙሕ ከይፀንሐ ውን ኢሳትን ካልኦት ራዕደኛ ምትእኻኻባትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግልፂ ኣዋጅ ምፅናት ዘርኢ ኣውጆም፡፡ መቐፀልታ ናይዚ ኣብ ጎጃምን ጎንደርን ናዕቢ ተሰፋሕፊሑ ተጋሩ ተጠቒዖም፡፡ ኣብ መተማ ዝነበሩ ተጋሩ ድማ ካብ ሃገሮም ተባሪሮም ብመገዲ ስደን ናብ ትግራይ መፅዮም፡፡ እዚ ኹሉ ክግበር ብኣዴን ፓለቲካውን ወተሃደራወን መሪሕነት ከም ዝሃበ ውን ግልፂ ኮይኑ፡፡ ብኣዴን ዘዕጠቖም ምልሻታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘረፋን ጨፍጫፍን ኣካይዶም፡፡ ይብዛሕ ይንኣስ እቲ ዝተኣወጀ ምፅናት ዘርኢ ብሓሳብስ ዳርጋ ተተግቢሩ፡፡

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይኑ እዩ እምበኣር ኢህወዴግ ነቲ ኣብ ጉባኤ 2007 ዝኣንፈቶ ምትዕርራይ ኣበይ ከምዘብፅሖ ከይተፈለጠ፤ ድንገተኛ ተሃድሶ ከካይድ እየ ዝብል ዘሎ፡፡ ተሃድሶ ምክያዱስ ፅቡቕ፡፡ ግና ሲ ብምኽንያት ዕግርግራት ዝፍጠር ዘይተተለመ ተሃድሶ ክንደየናይ ሓቀኛ ፍታሕ ይኸውን? ብርግፅ ህዝባዊ ጠለብ መሰረት ጌርካ ተሃድሶ ከድሊ ይኸውን፡፡ ዋእ! እቲ ናይ ዓሚ ጉባኤ ዘነፆሮም ንዝሓለፈ ዓመት ግዜን በጀትን ፈሲስዎም ዝተነፀሩን ዝተተግበሩን መሰርሓት ከ ኣበይ ኣተው?

ብስሩ ኸ እዞም ናዕብታት ንተሃድሶ ምኽንያታት ዶ ምኾኑ? መሰመራዊ ደውታ ዘየጋጠሞ ውድብ፤ መብዛሕቲኦም ኣብ ደገ ዝተጠጅኡ ገለ መሪሕነት ኦሮምያን ኣምሓራን ዘጋደድዎም ፀረ ትግራይ ዝቐንዑ ናዕብታት ንኹሎም ብሄራዊ ውድባት ከም መበገሲ ተሃድሶ ክውሰዱስ ኸ ንቡር ድዩ? እቲ ተሃድሶ ዘይተተለመ ምኻኑ ሰለዘግረመለለይ እየ ዝሓትት ዘለኹ እምበር ብሓቂ ኣብ ፅንዓት ዝተመስረተ ተሃድሶ ኣይፀላእኹን፡፡ ግን ኣሸበሸብ እቶም ቀደም ውን ዝነበሩ ፀላእትያ ሎሚ ብስንፍናን ክፍኣትን መሪሕነት ብኣዴንን ኦህዴድን ጉልቦት ረኺቦም ተባሂሉስ ድንገተኛ ተሃድሶ ሰሌጤኑ ሰለዝሰግእ እዩ፡፡ ብዝኾነ ተሃድሶ ተባሂሉ ካብቶም ዝተገምገሙ ነጥብታት ንህወሓት ዝተውሃበ ሓደ ነጥቢ “ፀቢብነት” ከምዝኾነ ተፈሊጡ ሰለዘሎ፤ ነቲ ድንገተኛ ተሃድሶ (ተሃድሶ ፀቢብነት) ዝብል ስያሜ ሂበ ሓሳባተይ ከቐምጥ፡፡

4/ ተሃድሶ ፀቢብነት

ብናዕብታት ኦሮሞያን ኣምሓራን ዝባህረረ ኢህወዴግ ድሐሪ 15 ዓመት ተሃድሶ ክገብር እየ ኢሉ ስራሕ ፈፃሚን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ኣኪቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ ድሮካ በብቢሄራዊ ውድቡ ገምጋም ክሳለጥ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ገምጋም ኢህወዴግ ካብ ዘቐመጦም ኣውራ ነጥብታት እቲ ቀንዲ “ስልጣን መንግስትን ውድብ ንውልቀ ረብሓ ምውዓል” ዝብል ከምዝኾነ ዕላዊ መግለፂ ተነጊሩ፡፡ “ትምክሕትን ፀቢብነትን” ውን ፀገማትና እዮም ተባሂሉ፡፡

እቲ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐ ነጥቢ ኢህወዴግ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት እንተስ ብኽራይ ኣካብነት እንተስ ብሙሱናን ብልሽውናን ፀገመይ እዩ ክብሎ ዝፀንሐ ሰለዝኾነ ሓዱሽ ነገር የብሉን፡፡ ትምክሕትን ፀቢብነትን ውን ሓደጋታትና ተባሂሎም ተነፂሮም ዝሓደሩ እዮም፡፡ እንተኾነ ፀቢብነት ሓድሽ ተዋሳኢ ያ ተረኺብሉ ተባሂሉ ህወሓት ምስ ፀረዴሞክራስያውነት ዝትብሃለ ፀገም ሓዊሱ ክግምግሞ ተቐቢሉ ስለዘሎ ኣድላይ ትኹረት እዚ ፅሑፍ ጌረዮ ኣለኹ፡፡ ፀረ-ዴሞክራሲ ድሌቱ ዓይነት መግለፅታት ይሃልዎ ወድዓዊ ፀገም ሰለዝኾነ ምቕባሉ ሰናይ ሰለዝኾነ ቀንዲ ዛዕባ ገይረ ክዝትየሉ ኣይመረፅኩን፡፡

“ፀቢብነት ፀገም ህወሓት/ ህዝቢ ትግራይ ድዩ”???

ፀቢብነት ፀገም ህወሓት/ተጋሩ እዩ ተባሂሉ ክፍተሸን ክእረምን ከምዘለዎ ድንገተኛ ተሃድሶ ኢህወዴግ ናብ ተግባር ካብዘውረዶም ሓደ ግምባር ቃልሲ ክኸውን ከምዝኾነ ንሰምዕ አለና፡፡ ንሕና ድማ ከመይን ንምንታይን መዓዝ? እዩ አልና ክንካታዕዕ ቀንና፡፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ቡዙሕ ተባሂሉ፡፡ ኣብዞም ክትዓት ሓደ ዘይነፀረ ዝነበረ “ፀቢብነት” እንታይ ማለት እዩ ዝብል እዩ፡፡

ግርም እሞ ፀቢብነት እንታይ ማለት እዩ ከመይከ ንህወሓት/ህዝቢ ትግራይ ይገልፆ? ኣብዚ ካልእ ንፓለቲካዊ ሸፈጥ ዝኸውን “ህዝቢ ወይ ብሄር” ፀቢብ ክኸውን ኣይኽእልን ከምኡ ኣይበልናን ዝብል ክትዕ ከይለዓል፤ ብዝግባእ ህዝቢ ትግራይ ውን ከምዝምልከቶ ከብራህርህ፡፡ ሓደ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ብሄራዊ ውድብ እዩ፡፡ ሰለዚ ህወሓት ፀቢብነት ሓደጋኻ እዩ ክበሃል ከሎ ብምኽንያት ብሄራዊ ውክልንኡ እዪ፡፡ ካልእ ሓደ ህዝቢ ኣብ ፓለቲካዊ ሜዳ ብ ኤሊቱ (ሊቃውንቱ) ሰለዝውከል ፀቢብነት ከም ፀገም ክለኣል ከሎ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብ ጥራሕ ዘይኮኑ ሙሁራትን ቁጠባዊ ኤሊትን ኣብኡ ይኣትው ከምዘለው ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ሰለዚ ነዚ ነፂርና ናብ ትርጉም ፀቢብነትን ከመይ ይገልፀናን ንእቶ፡፡

ፀቢብነት ከም ፅንሰ ሓሳብ  ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብሩ ቡዙሕነት ዘለዎም ህዝብታት መሰረት ጌርካ ዝተፈላለዩ ትርጉማት ክህልውዎ ግድን እዩ፡፡ ገለ ካብቶም ትርጉማቱ  ፀቢብነት ማለት ተነፃላይነት ስምዒት፣ ንምሰረታ ነፃ ሃገር ዝንቀሳቐስ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ንበይነ ክርባሕ ባህልነትን፣ ናይ ካልኦት ረብሓ ምፅራር፣ ማሕበራዊ ተነፃልነት ምፍጣር … ወዘተ ዝብሉ ምዝርዛር ይከኣል፡፡ ካብ ሃገራዊ ዓውዲ ወፂእካ ከም ክልል ንኣብነት ኣብ ትግራይ ምምሕዳራዊ ክፋላት ኣውራጃታትን ወረዳታትን መሰረት ዝገበረ ስምዒት ተናፀላነት፣ ንበይነይ ክርባሕ ባሃልነት፣ ናይ ካልኦት ረብሓ ምፅራር፣ ማሕበራዊ ተነፃልነት … ወዘተ ክፍጠር ከሎ ድማ ብኸባብያውነት ዝግለፅ ፀቢብነት ክበሃል ዝከኣል እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ፀገም ኣብ ትግራይ እንተሃልዩ ውን እንተኾነ ጉዳይ ተጋሩን ህወሓትን እምበር ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣይኮነን፡፡

ኢህወዴግ ክቕድቕድም “ፀቢብነት” ኣብ ፓለቲካ ኦሮምያን ኦህዴድን ብፍላይ ከኣ ኦነግ ንምግላፅ ይጥቀመሉ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ውን ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚንስትሪ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝኾነ ቪድዮ ኮንፈረንስ ካብ ዝተዛረብዎ ተቖኝጢሩ ዝተወሰደ “የትግራይ ጠባቦች” ዘምስል ዝተሓዎሶ ዘረባ … “ጠባቦች በህዝቦች መሃል ኣጥር ማበጀት ይፈልጋሉ” ክበሃል ሰሚዕና ኣለና፡፡ እዚ ዘረባ ምእንተ ነብሱ ሓጥያት ዋላካ እንተዘይሃለዎ “ኣጥር ማበጀት” ንዝብል ነጥቢ ክንዝትየሉ፡፡ ሓፁር ምህናፅ እንታይ ማለት እዩ?

 ቡዙሕነት ኣብ ዝተቐበለ ፌደራል ስርዓት በመገሲኡ ውን “ሓደ ናይ ፓለቲካል ኢኮኖሚ” ማሕበረሰብ ምህናፅ ዝብል ሃገር … ማሕበራውን ባህላውን ሓፁራት ክህልው ኮ ግድን እዩ፡፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ነናይ ባዕሎም ታሪኽ፣ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ስርዓተ ክብሪ ኣለዎም፡፡ ሰለዝኾነ ድማ ህብረብሄራውንት ዝተቐበለ “ብዙሕነትና ፅባቐና እዩ ኣብ ኣፋለላይና ዝደመቐ ሓድነትና” ዝብሉ ጭርሖታት ኣሰሊፎም ዴሞክራስያዊ ሓድነት ፈጢሮም፡፡ ይቕፅሉ ድማ ኣለው፡፡ ሰለዚ ፍሉይነቶም ክዕቅቡ ድማ ግድን እዩ፡፡ ናይ እንዳማቱ ዝደሊ ብዝሑነት ዘይቅብል ጠቕላልን መግለልን ሓይሊ ኣብ ዘለዎ ፓለቲካዊ ምህዋር ከኣ ኩሉሻዕ ናትና ዝብልዎ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ስርዓተ ክብሪ፣ ቋንቋ ኮታስ ፍሉይ መንነት ኣስጢሞም ክትሕዙን ጎስጋስ ክገብሩን ናይ ግድን ይኸውን፡፡ እሞ ድማ ከኣ ኣናእሽቱ ብሄራት በቶም ዓበይቲ ተዋሒጦም ከይጠፍኡ ኩለሻዕ ብተጠንቀቕ ጠጠው ክብሉ ኣለዎም፡፡ ኮይኑ ውን ግን ከምዚኦም ዝበሉ ስምዒታት ነቲ ክብፃሕ ዝድለ ሓደ ናይ ፓለቲካል ኢኮኖሚ ማሕበረ ሰብ ህንፀት ዕንቅፋት ከይኾኑ ብዴሞክራስያውን ሰላማውን ኣገባብ ክሳለጡ ፀዕሪ የድሊ፡፡

ሰለዚ እዚ ዘረባ ወላኳ ዝርዝር ትሕዝትኡ እንተዘይተነገረና ኣሃዳዊ መንፈስ ዝፍጥር ካብ መሰረታዊ ኣምር ስርዓትና ፈንተት ዝበለ ይመስል፡፡ ወይ ወን ከምቲ ናይ ኮሚዩኒስታዊ ፌደራላዊ ሕብረብሄራዊነት (cosmopolitan multiculturalism federalism) ኣፋዊ ህብረብሄራዊነት ዝዓብሎ ኣብ ከይዲ ኣናእሽቱ ብሄራት ናብተን ዓበይቲ እንዳተውሓጣ ክኸዳ በሪ ዝኸፍት ከይኸውን ጥንቃቐ ድልዮ፡፡

ኣብ ምንታዩ ደኣ ዩ ህወሓት/ህዝቢ ትግራይ ፀቢብ ዝበሃል ዘሎ? ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህወሓት ክቃለስ ከሎ ኮ ልዕሊ ከሉን ቅድሚ ኩሉን ብሄራዊ ወፅዓ እዩ ነይሩ መልዐሊ ቃልሱ፡፡ ባህሉ ከይትግብር፣ ቋንቁኡ ከይዛረብ፣ ስርዓተ ክብሩ ከይሕሉ ኮታስ ከለመዳያዊ መርገፅቲ ኣብ ልዕሊ መንነቱ በፂሕዎ፡፡ ታሪኹ ውን ተዘሪፉ፡፡ ጀጋኑ ተጋሩ ካብ ማህደር ታሪኽ ተሓቢኦምዎ እኮ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ከም ህዝቢ ብሄራዊ መንነቱ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ እኮ እዩ ልዕሊ 60 ሽሕ ስውኣት ዝኸፈለ፡፡ ሰለዝኾነ ውን ተዓዊቱ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳዕ ምግንፃል ኣረጋጊፁ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ወናኒ ነብሱ እንድዩ ከሉሻዕ ፍሉይ መንነቱ ዓቂቡ ክቕፅል መሰል ኣለዎ፡፡ ብግልፅን ብሕብሕብኢትን ኣብ ልዕሊ መንነት፣ ታሪኽን ባህልን ተጋሩ ዝካየዱ ተፃብኦታት ከፍሽል ከኣ ይንቀሳቐስ፡፡ ብዶሞክራስያዊ ኣገባብ ፍሉይነቱ እንዳዓቀበ ንህነፀት ሓደ ናይ ናይ ፓለቲካል ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ሃገርና ይሰርሕ እምበር ናይ ባህሊ፣ ስርዓተ ክብሪ፣ ቋንቋ፣ ልምድን ታሪኽን ሓድነት ክፈጥር ዘለዎ ክጠፍእ ኮ ኣይደልን እዩ፡፡ ሓበራዊ ምስ ካልኦት ዝማቐሎም ማሕበገራውን ባህላውን ባእታት ውን መሰራሒ ምብራዝ መንነቱ ከይኾኑ ኣስተውዒሉ ክጎዓዝ ግድን ይኸውን፡፡ ከምዚ ዝበለ ንስለ ምዕቃብ መንነት ዝህነፅ ሓፁር ብዝኾነ መለክዒ ፀቢብነት ኣይኮነን፡፡ ንስለ ምዕቃብ መንነቱ ናቱ እንተፈተውን እንተፈለየን ውን ክኸውን ዝግብኦ ፍረ ቃልሱን መስዋእቱን እዩ፡፡

መሪሕነት ህወሓትን ህወሓትን ዝምልከት ውን እንተኾነ ከም መጠን ብሄራዊ ውድብ ንረብሓን ምዕቃብን መንነትን ተጋሩ እዩ ክሰርሕ ዝግብኦ፡፡ ህወሓት ካብ 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ብሄረ ትግራይ ዝተፈለለዩ መርገፅታት እንዳሓዘ ከምዝመፀ ይፍለጥ፡፡ እቲ ናይ መጀመርያ መኒፌስቶ መን ፀሓፎ መን ኣፅደቖ ብዘየግስ ተሪር ብሄራዊ ስምዒት ዝሓዘለ ሰለዝነበረ ትርጉም ትግራዋይነት ከም ብሄር ነፂሩ ይርኣይ፡፡ ብመንፅር ስታሊናዊ ትርጉም “ብሄር” ብሄረ ትግራይ ማለት ተባሂሉ መሉእ ትርጉም ዝተቐመጠ ኣብዚ ማኒኒፌስቶ እዩ፡፡ ብስታሊናዊ ትርጉም ብሄር ብሄረ ትግራይ ማለት እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ትግርኛ ተዛረብቲ ውን እዩ ዝሓወስ፡፡ እዚ ምስ ምፅባእ ነፃነት ኤርትራ ዘራኽብ ብሉን፡፡ ሓደ ብሄር ኣብ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ  ሃገራት ተበቲኑ ክርከብ ውን ንቡር ሰለዝኾነ፡፡ እዚ ማኒፌስቶ ውን ይብዛሕ ይንኣስ ነዚ ዘንፀባረቐ ነይሩ፡፡ ደሓር ምስ ህግሓኤ ውን ምውጣጥ ተፈጢሩ ወግዓዊ ቅዋም ህወሓት ውን ሰለዘይነበረ ተቐይሩ፡፡

ድሕሪ ዚ ህወሓት ኪሚዩኒስታዊ ባእትኡ እንዳሓየለ ከምዝኾደን መሪሕነቱ ምስ ብሄረ ትግራይ ዘለዎ ምትእስሳር ዳርጋ ስልታዊ እዩ ኮይኑ ኢለ ይኣምን፡፡ ብፍላይ ድሕሪ ምስረታ ማሌሊት ኣድማሳውነትን ዓለምለኻውነት ኣብ ውሽጢ ኣስካል መሪሕነት ዓብላላይ ኮይኑ፡፡ ዘለዝኾነ ውን ህወሓት ናብ ክልተ ሓይልታት ድምር ግምባር ኮይኑ እንተበልና ዝግርም ኣይኮነን፡፡ ብሓደ ገፅ እቲ ብሄርተኛ ሓረስታይ ብካልእ ገፅ ድማ እቲ ንእስ ብርጅዋ ዝዓብለሎ ኮሚዩኒስታዊ ሓይሊ፡፡ እቲ ንእስ ብርጅዋ ብሄራዊ ስምዒት ኣይበሮን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡፡ እቲ ንእሱ ብርጅዋ ብሰሪ ስነሓሳቡ ብሄራውነቱ ካብ ሽቶ ናብ መሳርሕነት የዘምብል እየ ዝብል ዘለኹ፡፡ ከምኡ ከይኑ ውን ግን እቲ ንእስ ብርጅዋ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ነቲ ቃልሲ ምምርሑ ዝነኣድን ተቐባልነት ዘለዎን እዩ፡፡ እተኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፈን ብሰፊሑ ዝተሰውአን ግን ኣድማሳውነትን ዓለምለኻውነትን ንምርግጋፅ ዘይኮነ መንነቱን ብሄራዊ ክብሩን ንምዕቃብ ከምዝኾነ ክጥቀሰ ይግባእ፡፡ ቁሳዊ ረብሓ ተጋሩ ከምዘሎ ኮይኑ መንነትን ስርዓተ ክብርን ምኽንያት መስዋእትና ነይሩ ንቐፃሊ ውን ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ዝብል ዘለኹ ረብሓ እዩ ዘሰለፍ ዝብል መደብ መሰረት ዝገበረ ፓለቲካ ከየታልለና ንምንፃር እዩ፡፡

ካብ ብሄራውነቱ ኣድማሳውነቱ ዝሕይል መሪሕነት ህወሓት እዩ እምበኣር ህዝቢ ትግራይ መሪሑ ምስተዓወተ ሀገር ኣብ ምቕናዕ ዝሳተፍ ዘሎ፡፡ ኢትዮጵያ ብዴሞክራስያዊ ሓድነት ክትህነፅ ከኣ መሪሕ ተርኡ ተፃዊቱ፡፡ ተጋዳላይ ትግራይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ውን ክስዋእ ንስለ ሀገራዊ ሓድነት ክቖስል ናይዚ መሪሕነት ተራ ዓብይ እዩ፡፡ ብጀካ እቲ ኣብ ዘመነ ደውታ ዝነበረ ውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ውፅዓት ብሄራት ክጣመር ከሎ ብሄራዊ መንነትን ረብሓን ተጋሩ ንምርግጋፅ እምበር ተራ ዝጠፈሸ ሃገራውነት ንምርግጋፅ ኣይኮነን፡፡ ከምኡ እንተዝኸውን ኔሩ ማ ኣንቀፅ 39 ኣይመድለየን፡፡

ኣበይ ደኣዩ ዘሎ እቲ  ብመሪሕነትን ብውድብን ደረጃ ዝርአ ፀቢብነት? ሓለፋ ልዕሊ ኩሉ ተሰዊኡ ስርዓት ምስ ሃነፀ ስልጣን ንበይነይ ክሕብት የ ከይበለ እንኮላይ ንኦነግ ንዓ ተኸፋፊልና ንምራሕ ኢሉ ሃገር ኣድሒኑ፡፡ ተጋዳላይ ትግራይ ቃልሲ ተወዲኡ እዩ ዓድዓድኻ ተባሂሉ ንስለ ተዋፅኦ ብሄራት ተቐኒሱ ካብ ድርኩኺት ቤተመንግስቲ ብዘይረብሕ ክፍሊት ተፋንዩ፡፡ ኣብ እዋን ህንፀት ህብረብሄራዊ ሰራዊት ውን ልዕሊ 500 ኮሎኔላት ተጋሩ ተቐኒሶም፡፡ ይኹን ንሰለ ሃገራዊ ሓድነት እዩ ተባሁሉ ተቐቢልና፡፡ እዚ ዝተቐነሰ ሰራዋት ውን ከይኮረየ ኣብ እዋን ወራር ህዝባዊ ግምባር ቅድሚት ተሰሊፉ ተቓሊሱ ተሰዊኡን፡፡ ፀቢብነት እንተዝህሉ ዝተበደለ ተጋዳላይ ተሚለሱ ንመስዋእቲ ኣይምቐረበን፡፡

መስዋእቲ ኮ ኢና ኮይና ከም ብሄር! ተጋዳላይና ክቕነስ ከሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይወፅእ በሰላ ኮ እዩ ገዲፉ ሓሊፉ፡፡ ናይ ምግዳል ድሌት ህዝቢ ትግራይ ባይታ ክዘብጥ (moral decadence) ክሳዕ ዘጋጥመና ኮ ኢና መስዋእቲ ከፊልና፡፡

ፀቢብነት ዳኣ በየነይቲ እያ ትግለፅ? መሪሕነት ህወሓት ኮነ ህዝቢ ትግራይ ንረብሕኡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ ፓሊሲ ኣይኩናት ኣይሰላም ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተተኺሉኒ፤ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ደውታ ኣቲና ትግራይ ቀጠና ኩናት ኮይና ኢሉ ምእንተ ሃገር ኢሉ ስቕ ስለዝበለ ድዩ ፀቢብነት! ትግራይ ኮ እቲ መስዋእቲ ዝኸፈለትሉ ሰላም ገና መሊኣ ኣይረኸበቶን፡፡ ልዕሊ ክሎም ክልላት ኣብ ዝለዓለ ሻቕሎት ኩናትን ወራርን ኮ እያ ዘላ፡፡ መሪሕነት ህወሓት ፀቢቡ ነዚ ጉዳይ ልዕሊ ክሎም ሃገራዊ ኣጀንዳታት ሰሪዑ እንታይ ገበረ? ህዝቢ ትግራይ ከ እዚ ፖሊሲ ይቐትለኒ ኣሎ፡ ረብሓይ ኣሕሊፉ ንካልኦት ይህበለይ ኣሎ፡ ቁጠባዊ ተወዳዳርነት ብሰንኪ ክስረት ስትራቴጅን ፓለቲካን መሪሕነት ተበላሸዩ ኣደዳ ስደት ኮይነ … ኢሉ ፀቢቡ ንባዕሉ ጥራሕ ሓሲቡ ሰላዋዊ ሰልፊ ዶ ወፀ? ረብሕኡ ምእንተ ሃገር ጅሆ ዝተትሓዞ ተፀሚሙ ዝኸይድ መሪሕነትን ህዝብን ፀቢብ እምበኣር ይበሃል እዩ?

እቲ ንልምዓት ሃገር ዝተግህ ዘሎ፣ ንዓበይቲ ፕሮጀክታት ቅድሚት ዝስመ መዋጮ ዝኸፍል፣ እቲ ኩሉ ዓደይ ኢሉ ኣብ ዘዝኸዶ ማሉ ዘፍስስ (ሎሚ ኣብ ጎንደር ዘቃፅልዎን ዝወርዎን ዘለው)፣ ብሰንኪ ዝሕታለ ቁጣባ ትግራይ ክሳዕ ጠራፋት ሃገርና ከይዱ ዝሰርሕ በዓል ሃፍቲ፣ እቲ ካብ ትግራይ ኣብ  ኦሮምያ ይሓይሽ ኢሉ ማሉ ዘውፍር ትግራይ ድዩ ፀቢብ?

እቲ ፀቢብነት ዝበሃል ዘሎ ከምቲ መብዛሕቲኡ ታሕተዋይ ኣመራርሓን ካድረ ውድብ ብጌጋ ዝትርጉሞ ኣብ ትግራይ እዚ ገደለና ንዝበለ ዝጥቀን እንተኾይኑ ፀገም የብሉን ትምህርቲ እዩ ፍታሑ፡፡

እወ ኢንቨሰንት ኣብ ትግራይ ዚሒሉ፣ ወዮ ኣይኩናት ኣይሰላም ኮይኑ እምበር መንገዲ ባቡር ክሳዕ ሑመራ ብኡ ጌሩ ንምዕራብ ኤርትራን ምብራቕ ሱዳንን ክዝርግሓልና ምደለና፤ ወይ ድማ መቐለ – ኣስመራ ባቡር መድለየና፣ ናይ ፍጥነት መንገዲ ንባፅ መድለ ደውታ ኮይኑ እምበር፤ ሰላም የለን እምበር ኣብ ዓድግራት ውፅኢታዊ ኢንዳስትርያል ፓርክ ምተሰርሐ ምባል ኮ ኣብ ማእኸል ሃገር ንምንታይ ሰራሕኩም ማለት ኣይኮነን፡፡

ከይንፀብብ ተባሂሉ ከተማታትና ብኣምሓርኛ ተወሪረን፡፡ መቐለ ብሰንኪ ዘለዋ ዘይእርኑብ ኣፀሓሕፋ ንግዳዊ ትካላት ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ መሲላ፣ ጥር ዝብል ወዲ ካልእ ብሄር ዘይብለን ናይ ገጠር ከተማታትና ብኣምሓርኛ ይፅሕፋ ኣለዋ፣ ደቅና ትግርኛ ናይ ኣዲኢም ተፀይፎም ኣምሓርኛ ይዛረቡ ኣለው … ምባል ድዩ ፀቢብነት? ወይ ከኣ ከምቲ ብኣዴን ኣብ መበል 35 ዓመት በዓሎም ዝገበርዎ ታሪኽና ይስረቕ ኣሎ፣ ከም በዓል ማሕበረ ቁዱሳን ዝበሉ ሰራማት ማሕበራት ብሽም ሃይማኖት መንነትና ይብረዝ ኣሎ፣ ህዝብና ብቋንቁኡ ከይስበኽንን ከይፅልን ይግበር ኣሎ፣ … ወዘቶ ምባል ፀቢብነት ዘብል እንተኾይኑ ፀረ ቃልስና ንኸይድ ኣለና ማለት እዩ፡፡

ብስሩኸ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ፀረ ትግራይን ህወሓትን ፅልኣት ሰለዝሓየለ ፀቢብነት ፀገምኩም ዩ ገምምግማ ማለት ስክፍታን ምቅብጣርን ዶ ወይስ ወድዓዊነት?

ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ብመዋልነት ሻዕብያ ዝሳለጥ ፖለቲካ ፀረ ትግራይ ዝቐንዕ ዘሎ ኮ ብቐንዲኡ ህዝቢ ትግራይን ነቲ ሕገመንግስትን ንምድርማስ እምበር ሓዱሽ ዝተፈጠረ ነገር ከምዘየለ ባዕሎም እቶም መናወፅቲ ውን ይፈልጥዎ እዮም፡፡ ትግራዋይ ፋሕፋሕ ኢሉ ኣብዘን ክልላት ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን እዚ መፅዩ:: ተጣቃዒ ውን ኮይኑ፡፡ ዓዱ ገዲፉ ዝስደት ዘሎ ኮ ስትራቴጂካዊ ውድቀት እምበር ማእከል ቁጠባ ኢንዳስትሪ ምኾነ እሞ ካልኦት ናብና ምተሰደቱ ኔሮም፡፡ ብኡ ኣቢሉ ውን ዝተዛብዐ ኣረኣእያ ምተኣረመ፡፡

ሎሚ ፀቢብነት ክበሃል ከሎ ኸ ኣየናይ ስልጣን ማእኸላይ መንግስቲ ቢሒትና እሞ ነቲ ዝለዓል ዘሎ ገሊኡ ዝተጋነነ ገሊኡ ተፈጥራዊ ዘይሕከም ሕማም መልዐሊኡ ዝገበረ ፀረ ትግራዋይነት መበገሲ ዝኸውን ዘሎ? እተን ዘለዋና ናይ ሚንስቴር ቦታ ፈሉጣት እየን፡፡ ምናልባት ኣብ ትካላት ድሕንነትን ምክልኻል ሃገርን ካብ ትግራይ ቡዙሕ ሰብ ክህሉ ይኸውን፡፡ ናይ ድሕንነት ዝርዝሩ ኣይፈልጥን፡፡ ኣብ ምክልኻል ግና እቶም ላዕለዎት ኣካላት ተጋሩ ብዝሕ ኢሎም ይረኣዩ እዮም፡፡ እዚ ውን ታሪኽን ኣመፃፅኣን እቲ ሰራዊት ዝፈጠሮ እምበር ካልእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ምትካእ ምድንጋይ እንተሃልዩ ውን ዘተሓማሚ እምበር ከምቲ ፀላእቲ ዘሳውርዎ ሓደጋ ፀቢብነት ዝበህል ኣይኮነን፡፡ ኣብታ ታሕቲ ግን ወዮ ነንበይኑ ከይኑ ፀሎትና እምበርዘለናዮ ባዕልና ንፈልጦ፡፡ ክንደይ ሚኢታዊ ትግራዋይ ምክልኻል ሃገር ከምዘሎ ኮ ይፈልጡ እዮም ባዕሎም እቶም ፀረና ዝተበገሱ፡፡ ናብዚ ደረጃ ክንበፅሕ ወን ብሄራዊ መስዋእቲ ኢና ከፊልናሉ፡፡ ካብኡ ኣብ ምክልኻል ከምቲ ኢህወዴግ ውን ሎምቕነ ዝበለ ብቕዓት መሰረት ዝገበረ ሽሞትን ስልጣንን እየ ዝህብ ካብ ደጊም ካበለ ክሎም እቶም ጀነራላት ብሓደ መኣልቲ ክትክኡ ዝኽእሉ ኣይመሰለንን፡፡ ነዚ ሳይንስ ምርዳእ ዝቐለለ እዩ፡፡

ኣብ ዝረኣይን ዝብላዕ ዘለወን ትካላት ፌደራል እንተለና ኮይና ውን ምምሕያሽ የድልየን፡፡ ናይቶም ኣብተን ትካላት ዘለው ፀገም ብልሽውናን ክራይ ኣካብነት ከይኸውን ምፍታሽ ይሓሽ እምበር ውድብ ከም ውድብ ከምኡ ውን ህዝቢ ፀቢብኩም ዘብል ኣይኮነን፡፡ ካልእ ውን ኣጠቓቕማ ሚድያና ምፍታሽ፡፡ ውሑድ ትግራዋይ ኣብ ዘለዎ ብኻልኦት ዝተምልአ ትካል እቲ ትግራዋይ እንተስ ተጠሊፉ እንተስ ብናይ ባዕሉ ድሌት ናብ ሚድያ ወንጣሕጣሕ ይግፎ፡፡ ኣብ ዓይኒ ኣይንእቶ ይብሉ ወለድና!

ድምር ኣቢልካ ክረኣይ ከሎ ፀቢብነት የለን ኣይኮነን ንብል ዘለና፡፡ ኣብ ገለ ውሑዳት ክህሉ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ገለ ከባብታት ብሽም ትግራዋይነትን ኣባልነት ህወሓትን ን ደቂ ካልኦት ብሄራት ዘናሽው ሰባት ይህልዉ፡፡ ንበለፅ መለለይ ካርድ ኣባልነት ህወሓት ሒዞም (ዘይኣባላት ውን) ሰብ ዘፋራርሑ ከምዘለው ውን ይግመት፡፡ ብሽም ድሕንነት ንኻልኦት ዘማራስሑ ቀጠፍቲ ውን ይህልው፡፡ እዚ ኮ ስድነትን ብዕልግናን እምበር ፀቢብነት ኣይኮነን፡፡ ምክንያቱ ኣብ ትግራይ ውን  ብሽም ኣባልነት ህወሓትን ድሕንነትን ንተጋሩ ዘፈራርሑ ተጋሩ ሰለዘለው፡፡

ኣብ ገለ ሃፋትም ውን ተመሳሳሊ ንሰለቁጣባዊ ረብሕኦም ሃነፍነፍነፍ ዝብሉ ኣብ ናይ መንግስቲ ጨረታ ተሸጊጦም ዝነብሩ … በተን ዝረኸብውን ረኣዩለይ እንዳበሉ ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ዓዕ እንዳበሉ ዝሓደሩ ሌያቡን በዓለገታት ይህልዉ፡፡ እዚ ኣንፃር ክራይ ኣካብነትን ብልሽውናን ብዝግበር ቃልሲ ብሰራርሓን ፅፈትን ፓለቲካል ቁጠባና ዝዕሪ ፀገም ክራይ ኣካብነት እምበር ንኣመፃፅኣ ታሪኽናን መንነትናን ዘይውክል ሓደገኛ ታርጋ ክልጠፎ ዝግናእ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ብልሽውናን ስድነትን ብሄር ዘይፈሊ ኣብ ክሎም ብሄራት ዝረአ ናይ ምጥቕቓምን ዘረፋ ሃፍቲ ሃገርን ሕማም ሰለዝኾነ፡፡ ትምክሕተኛ ውን ሌባ ኣሎ፡፡ ካልእ ውን ሰራቕን ዘራፍን ኣሎ፡፡ ሰለዚ ፀቢብነት ኣብ ዘይመዓልኡ ዝውዕል ክውዕል ኣለዎ፡፡ Because narrow nationalism has more to do with our national sentiments and identities!

ካልእ ኣብቲ ናይ ትግራይ መንእሰይ ሙሁር ውን ሓደ ክልተ ተነፃሊ ወይ ውን ሃነድነፍ በሃሊ ክህሉ ይኽእል ይኸውን፡፡  ሪፓብሊክ ክምስርት የ እንታይ ዶስ ዝብል ዘመን ዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ኣይስኣንን ኢልና ንውሰድ፡፡ ግና እዚ ምስቲ ናይ ትግራይ ነባራውን ድሕረባይታውን ኩነታት ፈፂሙ ሓደጋ ፀቢብነት ከብል ይትረፍ ንክትዛረበሉ ውን ዘሕፍር እዩ፡፡ ሰለምንታይሲ ዋላ ሓደ ውድብ ኮነ ማሕበር ኣብ ትግራይ ንሰለምንግንፃል ዝተወደበ ከምዘየለ ውፁእ ሓቂ ሰለዝኾነ፡፡ ኣብ ኦሮሞያ ሕቶ ምግንፃል ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝተሰበኸሉ ክልል ኢሉ ውን ብተነፃልነት ስምዒት ዝሰኸረ መንእሰይ ዝበዝሐ ፓለቲካ ፀቢብነት ይገልፆ እንተተባሂሉ፤ ኣምር ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት ኮይኑ ንኹሎም ውድባት ዝሰዓረ ሓሳብ ዘፍለቐ ውድብን ህዝብን መንግስትን በየናይ ኣመኽንዮ ፀቢብነት ሓደጋኻ እዩ ትብሎ? ብስሩኸ ህዝቢ ትግራይ ንሃገረ ኢትዮጵያ ከምዝውንና ኣመስኪሩ ዝሓደረ ዶ ኣይኮነን? ህወሓት ብዕሸላ ናይ ተናፃልነት ስምዒታ ዘረጋፈት ኣይብሕቶ ሕዝቢ ትግራይ እንዶ!

ብድንገት ዝመፀ ተሃድሶ ኢህወዴግ ባይታ ዘይብሉ ፀቢብነት ኣብ ህወሓትን ተጋሩን ዝረኣይ ፀገም እዩያ ተባሂሉ ከም ሃገራዊ ኣጀንዳ ክኸውን ከሎ ኣዝዩ ዘሰምበድን ቅንዕና ዝገዶሎ እዩ ዝብል እምነት ዛይዱ ኣሎ፡፡ ፀቢብነት ከም ኣጀንዳ ናይዚ ድንገተኛ ተሃድሶ ክኸውን ከሎ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝገብሩ ሰለስተ ምኽንያታት ከኣ፤

1/ እቲ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝተርኣየ ፀረ ትግራይ ፕሮፓጋንዳታት ዝፈጠሮ ስምባደን ተሸምጋልነትን ከይኸውን

2/ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጂኦፓለቲካዊ በደልን ስትራቴጂካዊ ጌጋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ተወዳዳርነታ ይዝሕል ሰለዘሎ፤ መንእሰይ ዝሓቶ ዝሎ ልምዓት ጭቡጥ ፍታሕ ምምፃእ ከቢዱ ተራእዩ እሞ ናብ ማእኸል ገፅካ ኣዝር ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ልምዓት ልምዓት ትግራይ እዩ ኢልካ እምን ዝዓይኑ ካብ ክውንነት ፌደራሊዝም ዝረሓቐ ባህጊ ውን ከይኸውን፡፡ ኣይትፅበብ ሃዋሳ ኢንዳስትርያል ፓርክ ሰሪሕና ኣለና ዓድግራት ግን ቀጠና ኩናት ሰለዝኾነ ኣይንሰርሕን ዝዓይነቱ እዩ ውን እምበር ንብል ኣለና፡፡

III. ህወሓት ኮነ ኢህወዴግ ከም መሪሕ ውድብ ከም ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ኣለውኒ ዝበሎም ፀገማት  ቆራፅነት ሲኢኒ፤ ውድባዊ ድሳካሊኡ ንዘይምፍታሕ መኣዝን ተሃድሶ ንምስሓት ውን ዝተፈብረኸ ቄናን ውዲት ከይኸውን ውን ሓደ ስግኣት እዩ፡፡

እንተዘይኸውን እማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጥቃዓሉ ሰዓት፣ ኣብ ትግራይ ሕቶ ልምዓት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፣ ክራይ ኣካብነት ኣብ ናይ ከተማ ፓለቲካል ኢኮኖሚ ልዕልና ኣብዝሓዘሉ እዋን፣ ሰናይ ምምሕዳር ተሳኢኑ ህዝብና ኣብ ዘንፀርፅረሉ ሰዓት፣ ቢሮክራሲና ንልምዓታዊ መንግስቲ ዘይምጥን ለማስ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ብሰሪ ምትሕውዋስ ውድብን መንግስትን ውድብ ኣብዘይስርሑ እንዳኣተወ ቁቡልነቱ ኣብ ዘጋድለሉ ግዘ፣ ውድብ ትካላዊ አሰራርሓታት ክተፅፍፍ ኣብ ትደለየሉ ግዘ፣ ኣመላምላን ዕብየትን መሪሕነትን ኣባልን ተሓምዚቑ ውድብ ዘይናታ ሰብ ኣብ ዝበዝሐሉ ግዜ … ባይታ ዘይብሉ ፀቢብነት ከም ሃገራዊ ኣጀንዳ ምውራድ ኣይምተግብአን፡፡ ብስሩኸ ወዮ ሃይሃይታ ወፍሪ ፅባሕ መበል 12 ጉባኤ ኸ ኣበይ ከምዝበፅሐ ከይተገምገመ ድዩ  ኣብ ብኣዴን ኦህዴድን ዝተፈጠረ ምዕባለ ስዒቡ ዝተፈጠረ ኣጀንዳ ተሰኪሙ ዝመፅ ዘሎ?

5/ መደምደምታ

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተሓበረ ውድባት ብናይ ባዕለን ለውጢ ዕብየት ወይ ውን ብሕብረተሰባዊ ጠለብ ፅገናዊ ለውጢ (reform) ሕልፍ እንቴሉ ውን ተሃድሶ (renewal) ከካይዳ ንቡር እዩ፡፡ ፅገናዊ ለውጢ ዝበዝሕ ግዘ ኣፈፃፅማ ክኣቢ ከሎ ዝመፅእ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ኮይኑ ተሃድሶ ድማ ገዚፍ ሓደጋን መሰመራዊ ደውታን ከጋጥም ከሎ ንሰለ ሰፊሕ ፅሬትን መንፃርን መሰምር ዝካየድ ለውጢ እዩ፡፡ 

ኢህወዴግ ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሕሪ 15 ዓመታት ቀዳማይ ተሃድሶ ሎሚ ክህደስ እየ ምባሉ ከም ፀገም ኣይርአን፡፡ ኢህወዴግ ዋላ ውን ናይ መስመር ፅሬት ፀገም እንተዘይሃለዎ ኣብ ከም ብኣዴንን ኦህዴድን ደምበ ዝሓወሰ መሪሕነትን ኣባልን ከምሎ ፈሊጡ ክሕደስ ምባሉ ከምሐደ መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብርግፅ ኢህወዴግ ናይ ደምበ ምትሕውዋስ ገጢሙኒ ዝብል ንፁር መግለፂ ከውፅእ ኣይተርኣየን፡፡ ብሽፍኑ ትምክሕትን ፀቢብነት ብዝብል ዝሓለፎ ይመስል፡፡

ብዛዕባ ተሃድሶ ኢህወዴግ ዘዛርብ ዘሎ ቀንዲ ዛዕባ ሰለምንታይ ክሕደስ እየ በለ ውን ኣይኮነን፡፡ እቲ ተሃድሶ ድንገተኛን ዘይተፀንዐን ምኻኑ እዩ ወደቓ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ብዘይ ጥርጥር እቶም ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተርኣዩ ናዕብታት መሰረት ጌሩ ከምዝተበገሰ ግምት ብዙሓት እዩ፡፡ እተኾነ ዋላካ ብትምክሕትን ፀቢብነት ዝግለፁ እንተኾኑ፤ ቀንዲ ፀገም ናዕቢ ኦሮምያን ኣምሓራን እዮም ምባል ግን ከቢድ እዩ፡፡ ሓቂ እዩ እዞም ነጥብታት ቃልሲ ዝሓቱ እዮም፡፡ ከይኑ ውን ግን ፀቢብንትን ትምክሕትን ካብ መፈጠር እዚ ስርዓት ጀሚሮም ዝነበሩ ንሓዋሩ ውን ዘይጠፍኡ ምኻኖም ክንግንዘብ ይግባእ፡፡

 እዞም ናዕብታት ከምኡ ውን ብሓፈሻ ብሃገር ደረጃ ኮነ ኣብ ትግራይ ዝለዓል ዘለው ሕቶታት ቀንዲ መልዐሊ መሰረቶም ቁጠባዊ ዕብየት ስዒቡ ዝመፀ ተፈጥራኣዊ ምዕባለ ሕ/ሰብ እዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ምስቲ ዝረኣይ ዘሎ ዕብየት ተዛሚዶም ዝተፈጠሩ ጠላባት ዴሞክራሲ፣ ልምዓትን ሰላምን ሰፋሕቲ እዮም፡፡ ሕ/ሰብና ጠላባይ ኮይኑ፣ ዝተምሃረ መንእሰይ በዚሑ፣ ሸቅሊ ኣልቦነት ብፍጥነት ክቕረፍ ኣይተኽኣለን፣ ዋጋ ናህሪ ኣሎ፣ ሕቶ ግልጋሎትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን፣ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ሕ/ሰብ፣ ሕቶ ኣጠቓቕማ መሬት፣ ጉዳይ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ናይ ሲቪል ሰርቫንት መነባብሮ ትሕቱነት … ወዘተ ዝረኣዩ ፀገማት እዮም፡፡ ፃምእ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ከኣሞ ሰማይ ዝበፅሐ፡፡

ነዚኦም ኩሎም ንምምላስ ድማ ድልዱል ዴሞክራስያዊ ልምዓታዊ መንግስቲ ምህናፅ እምበር ክጠፍኡ ዘይክእሉ ክዕቀኑን ክስፈሩን ዘይኽእሉ ትምክሕትን ፀቢብነት እንዳበልካ ሸምበለል ትርጉም ኣይክህልዎን፡፡ ቁጠባዊ ልምዓት ካብቲ ዘለዎ ብፍጥነት ዘቐፅልን ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ሕ/ሰባዊ ሽግግር ክመርሕን ከማሓድርን ዝኽእል መንግስቲ ምህናፅ ንፅባሕ ዘይብሃል ውራይ ክኸውን ይግባእ፡፡ ዘይተሸራረፈ ኣምር ልዓታዊ መንግስቲ ይተግበር፡፡ ብቕዓት ዘለዎ ቢሮክራሲ ይተሃነፅ፡፡ ኣብ ሞንጎ ውድብን መንግስትን ዘሎ ዘይነፀረ ዶብ ይፈለ፡፡ ንውድብ ኣብዘየእትዎ ቅቡልነት ይቕንስ እምበር ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ፓለቲካዊ መኽሰብ ዝርከቦ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሕገመንግስቲ ዝሰፈሩ ዴሞክራስያዊ መሰላትን ምትግባር ነቲ ልምዓት ሳልጥዎን ግልበት ዝህብን ሰለዝኾኑ ብዝግባእ ኣቕልቦ ይወሃቦ፡፡

ሓቀኛ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ዝገሃድ እቲ ዝመርሖ ዘሎ ውድብ ንባዕሉ ንዴሞክራስን ፍትሕን ዝተዳለወ … ናይ ጫፍ ብልሒ ዝኾነ ኣመራርሓ ኣባልን ክህልዎ ከሎ እዩ ዝብል እምነት ከኣ ይሰረፅ፡፡ ከምቲ ኣብ መግለፂ ኢህወዴግ ውን ዝተግልፀ “ስልጣን ንውልቀ ረብሕኡ” ዘውዕል ኣባልን መሪሕነት ወሪርዎ ኣሎ፡፡ ሓቀኛ ገምጋም እዩ፡፡ ኣባልነት መዳረሻ ሃፍቲ ሃገር ካብ ዝኸውን ፀኒሑ፡፡ ካብ 1997 ዓ/ም ጀሚሩ ዝነበረ ምልመላ ኣባልነት ፅሩይ ኣይነበረን፡፡ ብብቕዓትን ብፓለቲካዊ ተወፋይነት ገደፉ ኣባልነት ናይ ስራሕ ዕድል ካሳዕ ዝመስል ተወዳዳራይነት ዘይብሉ መዓት ኣባል መሕደሪኡ ክገብር ናብ ኢህወዴግ ተፀምቢሩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ዓቕምን ናይ ፓለቲካ እምነትን ዝገድሎ ኣባል ከኣ ይትረፍ ክስዋእ ከምቲ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተርኣየ ፀላኢ እቲ ስርዓት ኮይኑ ተሰሊፉ ረውረው ኣቢልዎ፡፡ ሰለዚ ኢህወዴግ ውድባውን ትካላውን ኣሰራርሓታቱ እዩ ልዕሊ ክሉን ቅድሚ ክሉን ክፍትሽ ዝግባእ፡፡ ውሽጠ ዴሞክራስን ዝበለፀ ትካላዊ ፅሬትን እንተዝህሉ ዓቕሚ ዘይብሉን ፓለቲካዊ ፅሬትን ዘይብሉን ኣባልን መሪሕነትን ኣይምኣተወን፡፡  

ህወሓት ዝምልከት ዋላ ውን ካብቲ ናይ ኢህወዴግ ዝፍለ እንተዘይኮነ፤ ህወሓት ካብ ኢህወዴግ ውን ዝፍለ ክብድ ዝበለ ዕዮ ገዛ ኣለዎ፡፡ ልክዕ እቶም ብሃገር ደረጃ ዝረኣዩ ለውጢ ወለድ ማሕለኻታት ከምዘለው ወይ ብዝገደደ መልክዑ ኣብ ትግራይ ኣለው፡፡ ወድዓዊ ፀገማትና ሕቶ ልምዓት፣ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳር ፍትሒ፣ ሰለጤንን ፅሬት ኣገልግሎት፣ ዴሞክራስያዊ ዘይኮነ ኣባልን ኣመራርሓን፣ ስደት፣ ሸቕሊ ኣልቦነት … ወድዓዊ ፀገማት እዮም፡፡ ብሰንኪ ድውታ መዋፅእ ዘይብሉ ፓሊሱ ኣይኩናት ኣይሰላም ቁጠባዊ ዕብየት ትግራይ ዝሕቱል ምኻኑ ንህወሓት ተደራባዊ ፀገም እዩ፡፡ ምናልባት ኣብ ትግራይ ረብሓ ዝፈጠሮ ብክራይ ኣከብቲ ዝፈትልዎ ከባብያውነት ኣሎ እንተተባሂሉ ውን ካብ ፍልፍሉ ምንቃፅ እዩ፡፡ እምበር ብሃገር ደረጃ ኣጀንዳ ዝኸውን ሓደጋ ፀቢብነት ሲ ኣይመሰለናን ኣይወሓጠልናን፡፡

ህወሓት ነዚአን ክፈትሕ እንተኾይኑ ድማ ሓቀኛ ወያናይን ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መንግስቲ ንምህናፅ ዘኽእል ተሃድሶ እዩ ክገብር ዘለዎ፡፡ ነዚ ክትግብር ድማ ውድባዊ ቁመንኡ ምፍታሽ እምበር ካብ ውድዓውነት ዝረሓቐ ሚዛን ዝስሕትን ገምጋም ብምትግባር ኣይኮነን፡፡ ህወሓት ትካላዊ ጥዕና ኣለዎ ዶ? ኮር መሪሕት ልምዓታዊ መንግስቲ ኮይኑ ክቕፅል እንተደልዩ ውሽጣዊ ፅሬቱ መጀመርያ ይፈትሽ፡፡

 እዚ ማለት ድማ እተን ካብ መበል 6ይ ጉባኤ ድሕሪ ቀዳማይ ተሃድሶ ውን ጀሚረን ዝተነፀራ ግን ድማ ወሳዲ ስኢነን ዓመት መፀ ዝለዓላ ወድዓዊ ፀገማት ይእለየን፡፡ ንሰን ከኣ ንፁራት እየን፤

* ብንፁር ኣመራርሓና  ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይገበረ በዚ ኣቢሉ ውን ናይ ውሽጢ ወድብ ኣሰራርሓታት ተዘሓሒሉ

* ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓታት ሰለዘይፀረየ ኣብ ክንዲ ግልፅነትን ተሓታትነት ኢደ-መነንነት

* ኣብ ክንዲ ስጡም ትካላዊ  ኣሰራርሓ ናይ ወልቀ ሰባትን ምትእስሳርን ሰንሰለትን መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ

* ኣብ ክንዲ ዴሞክራስያዊ ቃልሲ ሓምየትን ምጉጅጃልን

* በለፅን ፅግዕተኛነትን

* ፀረ-ዴሞክራስያዊነት

ብተወሳኺ ካብ ኔትዎርክን ምጥልላፍን ነፃ ዝኾነ ምልመመላ ኣባልነትን ኣመራርሓን ካይድ፡፡ እንድዒ ደኣ እታ መሸቖረሪት ፀባብነትን ትባሃል ሓደሽ ምህዞ ከይትኽውሎ እምበር ዝበለፀ ብሄራዊ ስምዒት ዘለዎም መናእሰይ ብትምህርቶም ንፋዓት ዝኾኑ ተጋሩ ሃዲኑ ነብሱ ክሃንፅ ይኽእል እዩ ህወሓት፡፡ ዝበለፀ ዕድል ድማ ተፈጢሩሉ ኣሎ ሕዚ፡፡ ጎኒጎኒ እዚ ዝበለፀ ትካላዊ ኣሰራርሓን ምሕደራ ውድባዊ መሓውርን ክፍጠር ድማ ግድን ይኸውን፡፡

ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ከኣ ውሽጠ ዴሞክራስን እቲ ውድብ ሰፊሕ ስራሕ ክሰርሓሉ ዝጠልብ እዩ፡፡ ሎሚ ቀደም ኣይኮነን፡፡ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መሰረት ዝፈረዩ አመራርሓን ኣባላትን ይበዝሑ ኣለው፡፡ ዝተመሃረ መንእሰይ ኣባል ቁፅሩ ገዚፍ እዩ፡፡ ሓሳባት ክህፍትሙ እዮም፡፡ ኣብ ውድብ ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ከምፀጋ ክውሰድ ኣለዎ፡፡ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ከም ኣንጃነትን ፀላእን ዝፅብፅብ ኣረጊት ኣረኣእያ ይወገድ፡፡ ሕ/ሰባዊ ለውጢን ማሕለኻታቱን ክሰፍሑ ከለው ናይ ግድን እዩ ሰፋሕቲ ናይ ረብሓ ግጭታትን ሕቶ ቀዳምነት ፓሊስታትን ክፍጠር፡፡ እዚ ክሳዕ መሰረታዊ መትከላት እቲ ውድብ ናብ ሓደጋ ዘየእተወ ከም ፀጋ ተቐቢልካ ዋላ ውን ሕጋዊ ኣንጃ ዝብል ሽም ኣይወሃቦ ምክእኣል ተገይሩ ፀፊፉ ክኸይድ ይግባእ፡፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ሰለዝመፀ ሓዞ ትሰዶ ግዚኡ ዝሓለፎ ንውድብን ሓይሉ ዝብትነሉ ኣሰራርሓ ይትረፍ፡፡ ወድብ ኮሚዩንስት ቻይና ውን ከመና እዮም ነይሮም፡፡ ናብቲ ሕዚ በፂሐሞ ዘለው ዴሞክራሲ ውሽጠ ውድብ ክበፅሑ ምዕባለ ሕ/ሰቦም ከምኡ ውን በብግዚኡ ዝተቐየረ ማሕበረዊ ማሰረት ውድቦም ኣገዲድዎም እዩ ተለዊጦም ተኻታታሊ ሕ/ሰባዊ ለውጢ ሃገሮም ዘመሓድሩ ዘለው፡፡

መሪፅና ንመሃር! ተሃድሶ ንቑኑዕ ለውጢ ይኹን!

**********

 

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories