ኣባይ ፀሃየ:- “ንሪኦ ዘለና ህውከት ኣብ ትግራይ እውን ዘይመፀሉ ምኽንያት የለን”

ውራይና መጽሔት፦ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዝኒሀ ፖለቲካዊ ኩነታት መሰከፊ እዩ ዝብል ይበዝሕ ኣሎ፤ ብናትካ ገምጋም ወይ ኣረዳድኣ ከመይ ይግለፅ ሐዚ ዝኒሀ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት?

ኣባይ ፀሃየ፦ ብክልተ መልክዕ እዩ ክግለፅ ዝኽእል እዚ ሐዚ ዝኒሀናዮ ኩነታት። ብሓደ ገፅ ኣብ ዝሓለፈ 12፣ 13 ዓመታት ዝተመዝገበ ፅቡቕ ናይ ልምዓት ዕቤት ኣሎ፤ ፅቡቕ ዝተረጋገአ ሰላም እውን ፀኒሑ እዩ ክሳብ ቀረባ እዋናት፤ ፅቡቕ ናይ ወፃኢ ርክባትን ከም ሃገር እውን ሽምና ዝተኸበረሉ፣ እንስመዐሉ ኩነታት እውን ፈጢርና ኢና። ኣብቲ ህዝብና እውን ተስፋ ተፈጢሩ ፀኒሑ እዩ። እዚአን እተን ኣውንታዊ ገፅ ናይቲ ኩነታት እየን። እዚአን ደሚሲስና እቲ ፀገም ጥራሕ እንተተዛረብና ፍርቂ ሓቂ እዩ ክኾን፤ ሙሉእ ምስሊ ኣየርእን።

ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብቲ ናይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣብቲ ናይ ዴሞክራስያዊ ትካላት ምጥንኻር፤ ኣብነት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ምብቃዕ፣ ንቲ ህዝቢ ውዳበታቱ ነፃ ገይርካ ክድመፅ እውን ዘኽእል ንቕሓትን ብቕዓትን ዘለዎ ናይ ህዝቢ ውዳበታት፤ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ኣብ ምጉልባት ዝደሓርናዮ ኩነታት ኣሎ። ኣብዚታት ብዙሕ ፀገማት ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ‘ውን ብሓደ ገፅ መሰሉ ፈሊጡ እዩ፤ መሰሉ ከመይ ከም ዘረጋግፅ ተረዲኡ እዩ፤ ሽግራቱ ንመንግስቲ ዓው አሉ ክዛረብ ጀሚሩ እዩ፤ ካብኡ ሓሊፉ ግን ሕትኡ ከይተመለሰ ወይ ከይተፈፀመ ክተርፍ ከሎ ከመይ ንቲ መንግስትን ንቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብን ክቆፃፀርን ከድምፆን ምላሽ ክህቦን ክገብር ከም ዘለዎ መሊኡ ዘይፈለጠሉን፤ ነዙይ ዘግብር ዓቕሚን ኣሰራርሓን መሊኡ ዘይተፈጠረሉን ኩነታት እዩ ዘሎ። በዙይ ምኽንያት ናብ ሓደ ሓደ ኣንፆርፅሮታት፣ ናብ ስሚዒታዊ ዝኾኑ ነገራት ይኸይድ እሞ እቲ ውድብ እቲ መንግስቲ እውን ምስቲ ማሕበራዊ መሰረቱ ዝጋጨወሉ ወይ ዝረሓሐቐሉ፤ ምጥርጣር ዝፍጠረሉ፣ ስግኣት ዝፍጠረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ኩሉ ተደሚሩ እንታይ ይፈጥር ኣሎ ሐዚ፣ ዋእ! እታ ሰላም ‘ውን ቁሩብ ዝተረጋገአት ነይራ ትዝረግ ኣላ ሐዚ፤ እቲ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ጉዳይ እውን ንኢንቨስትመንት ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ፣ ንዕለታዊ ኣገልግሎት ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ፣ ኣንፀርፅሮት ይበዝሕ ኣሎ፤ ኣይፍታሕን ዘሎ እቲ ክፍታሕ እዩ ዝበሃል ዘሎ ነገር። ስለዚ ናይ ጥርጣረ፣ናይ ስግኣት፣ ናይ ኣንፀርፅሮት ኩነታት እዩ ዝፍጠር ዘሎ ኣብቲ ህዝቢ። ደሓር ድማ እምነት ናይ ምሽርሻር ኩነታት እዩ ኣብ ኢህወደግ ይኹን ኣብ መንግስቲ፤ እዙይ ድማ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ሓደገኛ ኩነታት እዩ። እዙይ ንቲ ኣብ ኢኮኖሚ ዝተረኸበ ዓወታት፣ ነቲ ኣብ ሰላምን ናይ ወፃኢ ዝምድናታትን ዝተረኸበ ዓወታት የህስሶ ይሽርሽሮ ኣሎ ብሓደ ገፅ፤ ካልኣይ ንቲ ኣብ መንጎ ህዝቢን ኢህወደግን/ምንግስትን ዝነበረ ፅቡቕ ምትእምማንን ተስፋን ኣዳኺምዎ ኣሎ። እዙይ ንናይ ደገ ሓይሊታት ኢድ፣ ንናይ መፈርስቲ ሓይሊታት ኢድ በሪ ከፊቱ ኣሎ። ስለዚ እቶም ሞይቶም ዝነበሩ፣ ደኺሞም ዝነበሩ ፀረ ሰላም ሓይልታት ሐዚ ነብሲ ይዘርኡ ኣለው። ነብሲ ዝዘርኡ ዘለዎ ናይ ባዕሎም ሓይሊ፣ ናይ ባዕሎም ዓቕሚ ሃሊይዎም ኣይኮነን፤ ወይ ድማ ዝሓሸ መፍትሒ መማረፂ ሒዞም መፂኦም ኣይኮነን፤ እቲ ናይ ባዕልና ድኽመት አቲ ንሕና ዝፈጠርናዮ ሽግር እዩ ንዕኦም ጉልበት ኮይንዎም። እዙይ እዩ እቲ ኣጣቓላሊ ስእሊ።

ውራይና፦ እቶም ኣብ ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣብ ኣሰራርሓታት፣ ኣዋሃህባ ግልጋሎት…ወዘተ ዘለው ፀገማት ኣብ ኩሉ ከባቢ እዛ ሃገር ዝረኣዩ እዮም፤ ስለዚ ንሱ ጥራሕ እንተዝኾን ንቲ ሕቶታት ዘበግሶ ዘሎ ኣብ ኩሉ ምትለዓለ፤ ግን ካብኡ ንላዕሊ ነገራት ዘለው እዮም ዝመስሉ። ንኣብነት ኣብ ጎንደር ዝነበረ ነገር ፈፂሙ ናይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ዴሞክራሲ ሕቶ ኣይተለዓለን፤ አቲ ሕቶ ካሊእ እዩ ነይሩ። ስለዚ ካሊእ ደፋኢ ዝኾነ ምንጪ ኣሎ እዩ ዝብል እዩ ዝለዓል ዘሎ፤ ኣብ ሃገራዊ ሓበራዊ ጉዳያት ዘይምርድዳእ ኣሎ ማለት ብዛዕባ ባንደራ እውን ዝለዓል ነገር ስለ ዝነበረ፤ ክረኣዩ ዝግበኦም መሰረታዊ ነገራት ኣለዉ እዮም ዝብል እዩ። እቶም ምንጭታት ከመይ ኢኻ ክትገልፆም ትኽእል ካብ ናይ ሰናይ ምምሕዳርን ካልኦት ተክኒካል ነገራትን ብላዕሊ? ምናልባት ከም ስርዓት ኣብቲ ሕገመንግስቲ፣ ኣብቲ ኣይዲዮሎጂ (ወያናይ ዴሚክራሲ)፣ ኣብቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ወዘተ ዘለው ነገራት እንተረኣናዮም?

ኣባይ ፀሃየ፦ ሐዚ እንታይ እዩ…እተን ዝበልካየን ሰለስተ መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ሕገመንግስቲ፣ እቲ ናይ ኢህወደግ ፕሮግራም (ወያናይ ዴሚክራሲ)፣ እቲ ባህሬት ናይቲ መንግስቲ (ልምዓታዊ መንግስቲ)፤ እዘን ሰለስተ ጉዳያት እዚኣተን ሽግር ኣለዎን ድዩ የብለንን? ምንጪ ናይ ዕቤትን ዴሞክራስን ድየን? ወይስ ምንጪ ናይ ሽግር እየን? ዝብል በቢሓደ ንርአየን።

ካብቲ ሕገመንግስቲ ንጀምር፤ ኣብቲ ሕገመንግስቲ ኩሉ ሰብኣዊን ዴሞክራስያዊን መሰላት ተረጋጊፁ ኣሎ ኣብኡ። ስለዚ ኣብኡ ሕቶ ‘ውን ኣይለዓልን፤ ኣብ ምትግባሩ ግን ሽግር ኣሎ ዝብል እዩ። ሽግር ኣሎ ኣብ ምትግባሩ ይብል እዩ መንግስቲ ‘ውን ኢህወደግ ‘ውን። ምኽንያቱ ንዕኡ ዝፍፅሙ ብቑዓት ኣመራርሓታት…. ብቑዓት መንግስታዊ ትካላት ከም ቤት ፍርዲ፣ መኽበርቲ ሕጊ፣ ፓርላማ ወዘተ ብዝግባእ ዝተጠናኸሩ ኣይኮኑን። ህዝቢ ‘ውን መሰሉ ናይ ምኽባር ዓቕሙ፣ ልምዱ ገና እዩ። እዘን ነፃ ሚድያ ማዕኸናት እውን ዝጠንከራ ኣይኮናን። ስለዚ ዴሞክራሲ ስቕ ኢሉ ኣይትግበርን ኣብ ሕገ መንግስቲ ስለ ተፀሓፈ፤ ኣብ ኣዋጅ ስለ ዝተኣወጀ። ንዕኡ መተግበሪ ዝኸውን ሓደ ናይ መንግስቲ ኣመራርሓን ናይ መንግስቲ ትካላት ክጠናኸር ኣለዎ። ካልኣይ ናይቲ ህዝቢ ውዳበታትን ንቕሓትን ክስረሓሉ ኣለዎ፤ ህዝቢ መሰሉ ይፈልጥን የኽብርን ዶ? ግቡኡ ኸ ይፈልጥን ይፍፅምን ዶ? ንሕጊን ስርዓትን ዶ ደው ይብል ወይስ ሕግ ንምጥሓስ ይመርፅ? ብቐሊሉ ዶ ይታለል ብቢሄር ወይ ብሃይማኖት ስሚዒት ወይስ ኣስተወዒሉ ዘድልዮን ዝጠቕሞን ይድግፍ? እዚታት ገና ብዝግባእ ኣይተሰርሓሉን። ገና ካብ ድሕረትናን ካብ ድኽነትናን ስለ ዘይተናግፍና ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝምንጩ ንቲ ንቲ ሕገመንግስቲ ዝሓልኽ ዕንቅፋታት ኣሎ ፤ ስለዚ ኣብ ህዝቢ ‘ውን ኣሎ ዕንቅፋታት፤ ብዝዓበየ ድማ ኣብ መንግስትን ኣብቲ ገዛኢ ፓርትን ኣሎ።

ካሊእ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዘሎ ፌደራል ስርዓት እዩ። ፌደራል ስርዓት ኣይኮነን ኣብኒ ኣውሮፓ ኣመሪካ ኣብኒ ናይጀርያ፣ ህንዲ፣ ብራዚል ወዘተ እኳ ይሰርሕ ኣሎ። እኒ ህንዲ ኣዕርዩ ጋሕማጥ ዓዲ እዩ፤ ካባና ኣዕርዩ ዝበዝሕ ህዝቢ ዘለዎ ዓዲ እዩ። ህንዲ ብዙሕ ሃይማኖትን ብዙሕ ብሄራትን ዘለዎ ዓዲ እዩ። ምስ ፀገማቱ ፌደራሊዝም ኣይጠቅምን ኣይንደልን ኣይበሉን፤ ፌደራሊዝም እዩ ሽግርና ኣይበሉን። ዋላ ናይጀርያ ፌደራሊዝም ነፍርሶ ኣይበለን፤ ደቡብ ናይጀርያን ሰሜን ናይጀርያን ኣብ ኩናት በፂሑ ዝነበረ እዩ ግን ብፌደራሊዝም እኒሀ። ኣባና ፌደራሊዝም ስለ ዘይሰርሕ ድዩ? ብዝሃነት ዘለዎ ሃገር እያ፤ ፌደራሊዝም ክሰርሕ እንተኾይኑ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ክሰርሕ ዘለዎ። ንምንታይ ዝተማእኸለ መንግስቲ ንቤሄራዊ ዕብለላን ካልኦት ሽግራትን ዳሪጉና ንብተናን ዳርጋ ምፍራስን በፂሕና ስለ ዝነበርና። ስለዚ ሐዚ ኩሎም ህዝብታት ሰፊሕ ስልጣን ተዋሂብዎም ከባቢኦም የመሓድሩ፣ የልምዑ፣ ብቛንቁኦም ይመሃሩን ይመሓደሩን ኣለው፤ ባህሎም ታሪኾም የማዕብሉ ኣለው፤ ካብዙይ ዝበልፅ መሰል ታይ ኣሎ?

ሓንቲ ተጨቓጭቕ ዘላ ኣብቲ ፌደራሊዝም ንምንታይ ብቛንቋ ተኻለለ እዩ። ንምንታይ ብቛንቋ ተኻለለ ዝብሉ ዘለው እንመን እዮም? ኦሮምያ ንምንታይ ብቛንቋ ተኻለለና ኣይብሉን፤ ደቡብ ንምንታይ ብቛንቋ ተኻለለና ኢሎም ኣይፈልጡን፤ ዓፋር ኣይብሉ፣ ሶማልያ ኣይብሉ፣ ትግራይ ኣይብል፣ ካልኦት ኣይብሉ። መን ደኣዩ? እንተይልና ዝተወሰኑ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃንን ኣብኡ ዘለዉ ተቐወምቲ ውድባትን እዮም። እምበር እቲ ጎንደር፣ ሽዋ፣ ጎጃም፣ ወሎ ዘሎ ኣምሓራይ ነባራይ እውን ንምንታይ ብቛንቋ ተኻለለና ኣይብልን ዘሎ። ኣብ ኣፈፃፅምኡ ግን አዚኣ እንተትመሓየሽ አዚኣ ከምዙይ ተትኾን ዝብል ነገር ኣሎ። ስራሕ ዕድል፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቛስ፣ ወዲ ሓደ ብሄር ናብቲ ሓደ ብሄር ከይዱ ክሰፍር እንተሎ ኣድልዎ ኣይገበር ኣይፈናቐል ዝብል ነገራት ኣሎ። እዙይ ክእረም ዘለዎ ነገር እዩ ክስተኻኸል ዘለዎ ነገር እዩ። እዙይ እቲ ኣፍፃፅማ እዩ እምበር ሕገመንግስቲ ኣይኮነን ፌደራሊዝም ኣይኮነን ምንጩ።

ፌደራሊዝም ንኹሉ ጠቒሙ እዩ። ንኦሮሞ ጠቒሙ፣ ንኣምሓራ ጠቒሙ፣ ንኹሎም ህዝብታት ጠቒሙ እዩ። ስለዚ ፌደራሊዝም ኣይጠቐመናን ዝበሃል ናይቲ ህዝቢ ቅዋም ኣይኮነን እንተወሓደ። ውልቀ ሰባት፣ ፓርቲታት ከምኡ ኢሎም ክሽቅጥሉ ዝደልዩ ክህልዉ ይኽእሉ።

Image - Wurayna magazine, Abay Tsehaye
Image – Wurayna magazine, Abay Tsehaye

ውራይና:- ግን ዋላ እቲ ህዝቢ ተዘይኣልዐሎ እቶም ውልቀ ሰባት፣ ፓርቲታት ትብሎም ብዙሕ ህዝቢ ኣየሰልፍሉን ዘለው ኣብዚ እዋን?

ኣባይ ፀሃየ፦ ኣየሰልፉሉን ዘለው። ሐዚ ንኣብነት ኦሮምያ ንውሰድ..ፌደራሊዝም ስለ ዝበደሎ ንህዝቢ ኦሮሞ ኣይኮነን። ወይ በዲሉካ ስለዝተበሃለ ኣይኮነን። ታይ ድኣዩ ዝኸውን ዘሎ ናይ ባዕሉ ክልል ምምሕዳር ይኹን ብገለ ፌደራል ኣካላት ኣብ ኣፈፃፅማ፣ ንኣብነት ኢንቨስትመንት ክግበር እንተሎ ዝፈናቐል ሰብ እንተልዩ ብደንቢ ኣእሚንካ፣ ብቑዕ ካሕሳን እግሪ መትከልን ሂብካ፣ ተስማሚዕሉ ተጠቃሚ ኮይንሉ ኣብ ምፍፃም ሽግራት ኣለው። በዙይ ምኽንያት ፌደራል መንግስቲ እዩ ሽግር ኣምፂኡልካ ይበሃል መሬት ዝሃበ ባዕሉ እቱ ክልል መንግስቲ እነሃለወ። እቲ ኢንቨስትመንት ይምፀአለይ ዝበለ እቲ ክልል ባዕሉ እዩ ኣይደልን እንተዝብል ናብ ካሊእ ክኸድ ይኽእል እዩ እቲ ኢንቨስትመንት። ስለዚ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ዝፍጠር ጌጋታት እዩ ብዓብይኡ፤ ብፌደራል ዝፍፀማ ድማ ዝተወሰና ጌጋታት ተሃልየን ንሰን እውን ክእረማ ዘለዎን እየን እምበር ናብ ሕገ መንግስቲ ዝኸድ ኣይኮነን። እቲ ካሊእ ስራሕ ዕድል ንቲ መንእሰይ ዘይምፍጣርና፣ ንቲ ሓረስታይ ናይ ዕዳጋ ምችውነት ዘይምፍጣር፣ ኣብ ምምሕዳር ምላሽ ብእዋኑ ዘይምሃብ ምጉልእላእ ወዘተ ስለዘሎ እዩ፤ ፍትሒ ብዝግባእ ዘይረክብ ስለ ዘሎ እዩ። አዚታት ብሰንኪ ናይ ኣመራርሓ ጉድለት ዝተፈጠረ እዩ።

ስለዚ እዞም ፈጠርቲ ናይ ኢህወደግ ወይ ናይ መንግስቲ ጉድለታት እዮም እምበር ፌደራሊዝምን እቲ ሕገ መንግስትን ኣይኮነን ምንጪ ክኾን ዝኽእል። እዙይ እዩ ምፍላይ ዝኣቢ ዘሎ። እቶም ፌደራሊዝም ክፈርስ ዝደልይዎ ሽግር ስለዘሎ እዩ ይብልዎ ወይ ናይ ሓደ ብሄር ልዕልነት ስለ ዘሎ እዩ ይብልዎ። እታ ልዕልነት ናይ ትግራይ እትበሃል ኮነ ተባሂለ ዝተቐረፀት መለዓዓሊት እያ፤ እምበር ሐዚስ ህዝቢ ትግራይ በዓይኑ ከይዱ ዝረኣየስ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘይብሉ ኣብ መቐለ ኣብታ ርእሰ ከተምኡ እኳ ዘይብሉ፣ ሽረ፣ ኣኽሱም ካልኦትስ ይትረፍ። ሓሙሽተ ዓመት ሽድሽተ ዓመት ዝወሰደ መንገድታት እናሀለወ (ኣብ ካልኦት ክልላት ‘ውን ከምኡ ኣሎ) ፣ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሽግር ኣለዎ፣ ኢንድስትሪ እውን ትእምት ዝሰርሖ ቁሩብ ተዘይኮይኑ ዝረብሕ የለን፤ ስለዚ ታይ ደኣዩ ሕልፊ ተጠቒሙ?

ኣብዛ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ክንደይ ሚንስትራት ሃሊዮም እዮም? 2፣3?፤ 8-10 ናይ ኣምሓራን ኦሮምያን እንድዮም ዝኒሀው። መከላክያ 500 ኮለኔላት እኮ እዮም ብሓደ ዓመት ውፅኡ ተባሂሎም። ቅድሚኡ ክንድኦም ዝኾኑ ወፂኦም እዮም፤ ጀነራላት ከምኡ። እቲ ኣመፃፀኣና ግን ኣብ ሰሜን እንድዩ ነይሩ እቲ ዕጥቂ ቃልስ ኣብ ትግራይ/ሰሜን እንድዮም ፈርዮም እቶም ሰራዊት፤ እቲ ናይ ደርጊ ክንብትኖ ነይሩና፤ ሓደሽቲ ፈርዮም ዝኒሀው ድማ ክሳብ ጀነራል፣ ኮነሌል ዝበፅሑ እኒሀው፤ እቲ ምምጥጣን እቲ ምሽግሻግ ብሰፊሑ ተኻይዱ እዩ ግን ከምቲ ቢሮክራሲ ወረቐት ዶ ኣለካ እናተበሃለ ዘይኮነስ ብተግባር ዶ ተፈትንካ ሓሊፍካ ስለ ዝኾነ ብፍላይ እቲ መሪሕነቱ ብቐሊሉ ተሸጋሽጎ ዘይምዃኑ ቁሩብ ግዜ ወሲዱ ክኾን ይኽእል። እንታይ እዩ እሞ? ዘይ ሞት እንደኣዩ ታይ ረብሓ ሃሊዩ እዩ ወታደር ኮይነካ ፖሊስ ኮይንካ ወይ ድህንነት ኰይንካ? ኩሉ ይምፃእ እንዶ ይተክእ ትጥዕም እንተኾይና።

ናብቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ንኺድ። ወያናይ ዴሞክራሲ ማለት፤ ወያናይ ዘብሎ ሱር በተኽ እዩ እቲ ለውጢ። መስፍንነት ሕጥጥ ኣቢልካ ትድርብዮ፤ ተረፍመረፍ ደርጊ ሕጥጥ ኣቢልካ ትድርብዮም፤ ጭቆናታት ናይ ፆታ፣ ሃይማኖት፣ ዕድመ፣ ካልኦት ኩሎም ሕጥጥ ኣቢልካ ትድርብዮም፤ ኩሉ ድኽንተን ድሕረትን ሕጥጥ ኣቢልካ ፅረጎ ንምባል እዩ እቲ ወያናይ ዝበሃል። ዴሞክራሲ ድማ ዴሞክራሲ እዩ። ስለዚ እታ ሽም ንባዕላ ሱር በተኽ ይኹን፣ ህዝባዊ ይኹን፣ ፍትሓዊ ይኹን፣ ንመላእ ህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር ይኹን፣ ሓጣጢጡ ዝድርቢ ይዅን ንድሕረትን ንድኽነትን ማለት እያ ብቐሊል ቋንቋ። ካልኣይ ልዕሊ ኩሉ ተጠቃማይ ኣብዙይ ብሓደ ገፅ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ እቲ ሓረስታይን እቲ ናይ ከተማ ውፁዕ ህዝብን፤ ብኻሊእ ገፅ እቲ በዓል ሃፍቲ እዩ፤ ምኽንያቱ ስሉጥ ልምዓት ዘምፅእ እቲ በዓል ሃፍቲ እዩ ስለዚ እቲ በዓል ሃፍቲ እዩ ኣብዚኣ ሞተር ዝኸውን። ብዘይካ በዓል ሃፍቲ ነፃ ዕዳጋ ኢልካ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢልካ ኣይፍጠርን። ካብዚኣ ድማ እቲ ሓረስታይን እቲ ናይ ከተማ ህዝብን ተጠቃማይ ይኸውን።

ውራይና፦ ኣብዙይ ግን ዝለዓል ነገር ኣሎ፤ እቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ዝበሃል ካብ ኣመፃፅእኡ እንተሪኢናዮ ከመይ እዩ ቦቑሉ ናበይ እዩ ዘብፅሕ ኢልካ ክርአ እንተሎ ብዋናነት ናይ ሓረስታይን ሸቃላይን ምልክነት ንምርግጋፅ እዩ። ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ሸቃላይ ዝበሃል ስለ ዘየለ ድማ መንግስቲ ባዕሉ ካፒታሊስት ይፈጥር እሞ ብኡ ኣቢሉ ሸቃሉ ክጫጭሕሉ ገይሩ እቲ ሸቃላይ ምስተፈጠረ ነሃቱ ምልክነት ዘለዎ ስርዓት ሶሻሊዝም ብኡ ድማ ናብ ኮሚኒዝም ይኸድ እዩ ዝብል ንዓይ ከም ዝርደኣኒ። ኢህወደግ ድማ ብመንገዲ ወያናይ ዴሞክራሲ ገይረ ናብ “ፃዕዳ ካፒታሊዝም” እየ ዝኸድ ይብል ኣሎ። እዙይ ደንገርገር ዝፈጥር እዩ ዝመስለኒ። ክልተ ነገራት ከልዕል ይደሊ፤ ሓደ እቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ብባህርኡ ምልክነት ሓደ ደርቢ ንምርግጋፅ ዝብል ምኻኑ ኩሉ ነገር ሄጆመኒክ ብዝኾነ ክሕዝ የደሊ፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ እቲ ናብ “ፃዕዳ ካፒታሊዝም” እዩ ክወስደና ዝብል ካብቲ መቦቆሉ ብዝፍለ እዩ ኢህወደግ ዝጥቀመሉ ዘሎ፤ ስለዚ ዓብላለይ ባህሪ ስለ ዘለዎን ዘይግልፅነት/ደንገርገር (confusion) ዝበለ ስለ ዝኾንን ባዕሉ እቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ፀገም ኢኒሀዎ ዝብል ክበርህ ይደሊ።

ኣባይ ፀሃየ፦ ካብ ብግምታት ምኻድ ብመረዳእታን ብሳይነሳዊ ትንተናን ምኻድ እንድዩ ፅቡቕ። እቲ ሓቂ ታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ ኢልካ ምርኣይ። ሰብ ሃፍቲ እናተፈጠሩ ድዮም ዝኸዱ ዘለዉ እናጠፍኡ? እንዳሃፍተሙ ድዮም ዘከዱ ዘለው እንዳደኸዩ? እንዳበዝሑ ድዮም ዘለው እናወሓዱ? ናፃ ዕዳጋ ማለት ርእሰማልነት ማለት እዙይ እዩ። እኳድኣስ ንሰብ ሃፍቲ ጥራሕ እዩ እምበር ንቲ ድኻ ሓረስታይ ይኹን ናይ ከተማ ነባሪስ ኣይበፅሖን ዘሎ እዩ እቲ ዝዝረብ። ስለዚ ናብ ሶሻሊዝም ዝኸይድ ተዝነብር እዚ ስረዓት እዙይ ንሃፍታም ከይዓቢ እናደቖሰ ከይበዝሕ እናገበረ እዩ ክኸድ ነይሩ። ጨና ናይ ሶሻሊዝም የብሉን እቲ ሐዚ ንሃንፆ ዘለና ስርዓት።

ንበዓል ሃፍቲ ንዓ እንካ ልቐሕ፣ እንካ መሬት፣ እንካ መንገዲ፣ ተሌ፣ ባቡር፣ እኒሀልካ ግብሪ ምሕረት ወይ ምንካይ ወዘተ ንገድ፣ ኣፍሪ ሃፍትም እዩ ዝበሃል ዘሎ። መጨረሻ ድማ ንሱ እዩ ክውንኖ ንቲ ስርዓት። ንኢህወደግ ዝትክኦ ናይ ሓረስታይ ፓርቲ ኣይኮነን፤ ናይ ሸቃላይ እውን ኣይኮነን፤ ናይ ካፒታሊስት ፓርቲ እዩ ዝትክኦ። ሐዚ ኢህወደግ ሞግዚት እዩ፤ ናይ በዓል ሃፍቲ ሞግዚት። ጎናንጎኒ ድማ ናይቲ ሓረስታይን ጠቕላላ ሰፊሕ ህዝቢን ጥቕሚ መረጋገፂ ጥቕሙ እናተሓለወ ዶ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ ዝከታተል ወኪል እዩ። ክልተ ተልእኾ እዩ ዘለዎ ኢህወደግ ከም ወያናይ ዴሞክራሲ መጠን፤ ብሓደ ገፅ ወገንነቱ ንቲ ሓረስታይን ካሊእ ጭቁን ህዝብን እዩ ካብታ ትፍጠር ሃፍቲ ፍትሓዊ ተጠቃሚ ክኸውን እዩ ዝገብር፣ ብቲ ካሊእ ድማ በዓል ሃፍቲ እንተዘይሃፍቲሙን ነፃ ዕዳጋ እንተዘይ ዓብዩን እቲ ሓረስታይ እውን ካሊእ ህዝቢ እውን ስለ ዘይጥቀም ግድን ንቲ በዓል ሃፍቲ ክተህፍትሞ ኣለካ ግድን ርእስ ማልነት ክትማዕብል ኣለካ፤ ብዘይ ሰብ ሃፍቲ ምህላውን ብዘይ ርእስ ማልነት ምዕባይን ሓረስታይ ኣይጥቀም ናይ ከተማ ተራ ህዝቢ ኣይጥቀም። ኢህወደግ ንዚኦም እዩ ኣጣሚሩ ዝኸይድ። ስለዚ እዚኣ ስለ ዝኾነት ከይዳ ከይዳ ናብዙይ እያ ናብዙይ እያ ዝብል ደንገርገር ኣይሰርሕን፤ ኣጉል ስግኣትን ጥርጣረን እዩ እምበር ሳይነስ ኣይድግፎ መረዳእታ ኣይድግፎ፤ ስቕ ኢሉ ብናይ ቀደም ጥርጣረ ዝምስረት እዩ ክኾን ዝኽእል።

ውራይና፦ ስለዚ ናብ “ፃዕዳ ርእስ-ማልነት” እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ብናይ ካፒታሊስት ሊበራል ውድብ እዩ ዝትካእ ዝብል ተረዲአ ኣለኹ። እታ ካልአቲ ነጥብ ግን ቅሩብ እውን ኣብርህ ንምባል፡ ወያናይ ዴሞክራሲ ናይ ዓብላላይነት (ሄጆመኒክ) ባህርን ድሌትን ስለ ዘለዎ ካብ መቦቀሉ ንቶም ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ይኹኑ ናይ ሓፋሽ ውዳብታት ኩሎም ተቖፃፂሩ ክኸድ ስለ ዝደሊ ንዴሞክራስያዊ ሃዋህው ምርግጋፅ ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን፤ ብተግባር እውን ኩሎም እቶም ኣካላትን ትካላትን ዓፊኑ እዩ ሒዙ ዝኒሀ። እዙይ ድማ ካብ ባህሪኡ ዝምንጩ እዩ እምበር ካብ ናይ ኣመራርሓ ኣተጋባብራ ጉድለት ጥራይ ዝምንጩ ኣይኮነን ዝብል እዩ። ንዚኣ ከመይ ትገልፃ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ሰፋሕቲ ውዳበታት ይሃልዋ፤ ናይ ሓረስታይ፣ ሙሁራት፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ ሸቃላይ፣ ሰብ ሞያ ወዘተ ይሃልዋ ምባል ምቁፅፃር ምድላይ ኣይኮነን። ምናልባት ንዚኣተን ብኣባላትና ንቆፃፀረን ዝብል ኣብ ተግባር ፀገማት ይረአ እዩ፤ እቲ መትከል ከምኡ ስለ ዝብል ግን ኣይኮነን። ብፅሑፋትና እዚኣተን ነፃ ይኾና ካብ ንብል ዓሰርተ ገለመለታት ዓመት ገይርና፤ ድሕሪ ተሃድሶ ብግልፂ ነፃ ይኹና ንዓና ዝቆፃፀራና ይኹና ኢልና ኢና። ስለዚ ኣብቲ ዝመርሕ ሰብ ናይ ዴሞክራሲ ኣርኣእያ ብስለት ጉድለት እዩ እምበር ንዚአን መሳሪሕኻ ግበረን ስለ ዝብል ወያናይ ዴሞክራሲ ኣይኮነን። እኳድኣስ ነፃ ኮይነን ከይንብስብስ ክቆፃፀረና ምእንቲ እዩ ዝብል እቲ መስመርና። ከንጨብጭባልና ክድግፋናን ጥራሕ ኣይንግበርን ድፍረት ረኺበን ዝቃወማና ይኹና ኢና ኢልና ድሕሪ ተሃድሶ። ከምዚ ክትብል ከለኻ ግን ገሊኡ ኣመራርሓ ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ከም ስግኣት ይሪኣን። ስለዚ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዴሞክራስያ ኣራእያ ገና ዕምቆትን ብስለትን ስለ ዝጎድሎ ተቓውሞ እንትመፀና ካብ ማሕበር ይኹን ካብ ኣባላትና ይኹን ካብ ፓርላማ ይዅን ከም ስግኣትን ከም ዝተደፈርናን ውድብ ከምዝተደፈረትን ዝፈረሰትን ገይርና ንሪኦ ስለ ዘለና እዩ። እዙይ እዩ ክእረም ዘለዎ ክውቃዕ ዘለዎ። እምበር ካብቲ ኣይዲዮሎጂ ዝብገስ ኣይኮነን።

ውራይና፦ እስቲ ናብታ ልምዓታዊ መንግስቲ ከኣ ንስገር

ኣባይ ፀሃየ፦ ልምዓታዊ መንግስቲ ማለት ክልተ ዓይነት እዩ። ዴሞክራስያዊ ልምዓታዊ መንግስትን ልመዓታዊ ጥራይን። እቲ ኣብ ኤሽያ ዝተረኣየ ልምዓታዊ መንግስቲ ዴሞክራሲ ኣይነበሮን። ኣብ ልምዓት ጥራሕ እዮም ኣትኩሮም። ምናልባት ከምቲ ነሃትና ብዙሃነት ስለዘይብሎምን ካብ ደገ ክውሕጠና እዩ ዝብልዎ ፀላኢ ስለ ዝነበሮምን ኮይንሎም እዩ። ደሓር ምስ ማዕበሉ ግን ናብ ዴሞክራሲ እውን መፂኦም እዮም። ኣብ ከማና ዝበለ ግን ብዙሃነት እውን ስለ ዘሎ ብዘይ ዴሞክራሲ ልምዓት ክመፅእ ክረጋገፅ ስለዘይኽእል ዴሞክራስያዊ ልምዓታዊ ምንግስቲ እዩ ክኾን ዝኽእል። ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ኢልካ፣ ዝተማእኸለ መንግስቲ ኢልካ፣ መሰላት ዓፊንካ ኣይኸውንን ኣባና። ስለዚ ካብ መጀመርትኡ ዴሞክራሲን ልምዓትን ዘይነፃፀሉ ብሓባር ክኸዱ ይኽእሉ እዮም ኢልና ተበጊስና። እቲኣቶም ደሓር እዮም ኣምፂኦሞ እቲ ዴሞክራሲ ንሕና ግን ካብ መጀመርትኡ ብሓደ ክኸይድ ይኽእል እዩ ኢልና።

ውራይና፦ ግን ዘየኽይደኩም ነገር እኮ አኒሀዎ ኣብቲ ሳይነስ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ….ታይ ኮይኑ?

ውራይና፦ ኣይ…. እቲ ልምዓታዊ መንግስቲ እኮ ናይ ባዕሉ ሳይነስ እኒሀዎ፤ ስለ ዝደለኻ ስለ ዝፈከርካ ክኾን ዶ ይኽእል ንርኣዮ። ንኣብነት ገለ ነጥብታተ ካብቲ ሳይነሱ ከልዕለልካ…1) እቲ ፈፃሚ ኣካል ጠንካራ ክኾን ኣለዎ እቲ ሕጊ መውፅኡ ደማ ድኽም ዝበለ ይኹን ይብል፣ 2) እቲ መሪሕ ውድብ ንቲ መንግስቲ ንነዊሕ ግዘ ክቆፃፀሮ ኣለዎ ብሓፂር ግዜ ዝቀያየር ከኾን የብሉን፣ 3) እቲ ቢሮክራሲ ብቑዕን ካብ ፖለቲካ ነፃን (competent and depoliticized) ክኾን ኣለዎ። አዚኣትን ካብተን ሳይነሳዊ ሕግታት ውይ ባህርታት ልምዓታዊ መንግስቲ እንድየን ናብ ኢህወደግ ወይ ናይ ዓድና ነባራዊ ኩነታት እንትንመፅእ ከመይ ዴሞክራስያዊ ከይኾን ከም ዘሕንኩልኦ ክገልፀልካ። ሓደ ፈፃሚ አካልን ሕጊ መውፅእን ሕጊ ተርጓሚን ዓቕሞም ተመጣጣኒ ኮይኑ ናይ ቅፅፅር ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ዝብል ሓደ ባእታ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ይህንደስ ኣሎ። ካልኣይ ነጥቢ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ንነዊሕ ግዘ ክፀንሕ (sustainability ክህልዎ) ስለ ዝድለ ማለት ፖሊሲታቱ ከፈፅም ስለ ዘለዎ ብነዊሕ ተሊሙ፤ ንነፃ ውድድር ውድባትን ህዝቢ ዝደለዮ እናመረፀ ፓርቲታት ክቐያይርን ዝብል ካሊእ ባእታ ዴሞክራሲ የቕሪ ኣሎ። ሳልሳይ ኣብቲ ቢሮክራሲ ብብቕዓትን ብውድድርን እንተተባሂሉ ብሄርን ብሄረሰባትን ናይ ምምጥጣን ይተርፍ፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብ ፖሊቲካ ነፃ ዝብል መርህ ኢህወደግ ንዳርጋ ኹሉ ቢሮክራት ኣባል ውድብ ብምግባር እቲ ሕጊ ጢሕስዎ ኣሎ። ስለዚ ልምዓታዊ መንግስቲ ኮይንካ ሙሉእ ዴሞክራስያዊ ንምዃን የፀገም እዩ ኢህወደግ ‘ውን ካብዚ ብዝምንጩ ፀገማት ይገጥምዎ ኣለዉ እየ ዝብል ዘለኹ እሞ እቲ ንሃትካ ሓሳብ እንታይ እዩ?

ኣባይ ፀሃየ፦ እቲ ፈፃሚ ኣካል ጠንካራ ክኾን ኣለዎ እቲ ሕጊ መውፅኡ ደማ ድኽም ዝበለ ይኹን ዝብል ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣተሓሳስባ ኣነ ኣይፈልጥን ከምኡ ዝብል የለን። ጠንካራ ፖሊቲካ ኣመራርሓ ይሃሉ እዩ ዝብል። ጠንካራ ማለት ፈላፂ ቆራፂ ንምባል ኣይኮነን። ብቑዕ፣ ውፅኢት ዘምፅእ፣ ዝተዛረቦ ዝትግብር፣ ዝሓንፀፆ ዝፍፅም፣ ተሓታትነት ዘለዎ ማለት እዩ። ከም ኮርያን ከም ቻይናን ተሓታትነት ጥብቂ ዝኾነሉ ሃገር የለን። ዘይብቑዕ ኣመራርሓ ፀሪጎም እዮም ዝውግድዎ፤ ከምዚ ናትና ንኽእ ንኽእ ኣቢልካ ሸፈፍ ሸፈፍ ኣይኮነን። ኣብ ኮርያ ጠንካራ ፓርላማ ስለ ዝነበረ ግን ኣይኮነን።

ካልኣይ እቲ ቢሮክራት ብብቕዓቱ እዩ ክኸውን ዘለዎ ልክዕ እዩ። ብፖለቲካዊ መንነቱ ብብሄሩ ኣይኮንን ክምደብ ዘለዎ። ፖለቲካዊ ሽመት ናብ ፓርላማ ናብ ካቢኔ ናይ ፓርቲ ሽመትን ተዋፅኦን ክኽውን እዩ ኣባና። ቢሮክራት ግን ብብቕዓትን ብሞያን ይኹን፤ ፓርቲ ኣባል ስለ ዝኾነ ካብዚ ብሄር እዙይ ስለ ዝኾነ ወዘተ ዝብል ክህሉ የብሉን። ዋላ ደቂ ኣነስትዮ እውን ኣብ ስልጠናን ትንህርትን ዳኢና ክንሕግዘን ዘለና እምበር ብፆተአን ምኽንያት ናብታ ቢሮክራሲ ክኣትዎ የብለንን እያ ትብል። ከምዙይ ተዘይ ኮይኑ እቲ ቢሮክራሲ ውፅኢታዊ ኣይኸውንን። ናይ ኤሽያ ልምዓታዊ መንግስቲታት እውን ዝገበርዋ ነግር አዚኣ እያ፤ ህዝቢ እናብከየ ዝውዕል ቢሮክራት ኣይኮነን ነይርዎም። ኣባና ጌጋታት ኣሎ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንፓርቲ ኣባል ቀዳምነት እንህበሉ ግዜ ኣሎ፤ ሞያን ብቅዓትን ዘይብሉ እነሃለወ፡ ኣረ ሓደሓደ ግዜስ ብናይ ኣባልነት መልክዒ እውን ብቕዓት ዘይብሎም እዩ ዝምደብ እሞ ክሳብ ላዕሊ። እዙይ ጌጋ እዩ ነፅርዮ ኢልና ግን መሊእና ዘየፅረናዮ እዩ። እዙይ ናይ ኣፈፃፅማና ድኽመት እዩ እምበር ናይቲ ልምዓታዪ መግስቲ ድኽመት ኣይኮነን።

ውራይና፦ ጀነራል ፃድቃን ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ውራይና ኣብዘውፅኦ ፅሑፍ (ብዝተፈላለዩ መርበባት ሓበሬታ እውን ተበቲኑ እዩ) ንቶም ሐዚ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ስርዓታዊ (systemic) እዮም። ምኽንያቱ እቲ መንግስትን ፓርቲን ኣይተፈለየን። እቶም ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ እውን ዝተፈላለዩን ነኒርእሶም ዝቆፃፀርሉ ኣገባብ ዝረአ ኣይከነን። እቲ ገዛኢ ፓርቲ ንኹሎም ዴሞክራስያዊ ትካላት እውን ተቖፃፂሩ እዩ ዘሎ ይብል። እቲ ምቁፅፃሩ ሎሚ ኣይኮነን መፂኡ ካብ ቀደሙ እዩ ግን እቲ ፓርቲ (ኢህወደግ) ካብ ግዘ ናብ ግዜ ፀረ ዴሞክራስያዊ ባህሪኡን ተግባራቱን እነዓበየ ስለ ዝመፀ እዩ ሐዚ ገዲዱ ዝረአ ዘሎ ንምባል እዩ። ኢህወደግ ድማ ባህርኡ ናብ ፀረ ዴሞክራስያዊ ክዓቢ ዝገበርዎ ኢሉ ሰለስተ ዓበይቲ ፍፃመታት የልዕል፤ ስለዚ ብናትካ ኣረዳድኣ እቶም ምንጪ ኢሉ ዘልዖሎምን እቲ ገዛኢ ፓርቲ ናብ ፀረ ዴሞክራሲ እናተለወጠ መፂኡ ዝብልን ከመይ ትርድኦ።

ኣባይ ፀሃየ፦ ንቲ ናይ ፃድቃን ብደንቢ ኣንቢበዮ እንድየ ርኢቶ እውን ክህበሉ ይደሊ እየ ኢለካ አየ ካብ መጀመርትኡ። እሞ እቲ ሐዚ ሽግራት እኒሀ ዝብል፤ ፀረ ዴሞክራሲ እኒሀ ዝብል ልክዕ እዩ ይሰማዕማዕ እየ። ምንጪ ናይቲ ሽግራት እንታይ እዩ? ምንጪ ናይቲ ሽግራት እንድዩ ኢሉ እተን ሰለስተ ነገራት ኣልዒሉ ዝኒሀ ፃድቃን፤ ኣነ ኣብተን ምንጪ ዝብለን ዘሎ ዝተፈለየ ሪአቶ እዩ ዘለኒ። በቢሓደ ክርአን ክፍትን።

ሓደ ኣብ እዋን ስግግረ መንግስቲ ዝነበረ ናይ ኦነግ ኣተኣላልያ ዝምልከት እዩ። ኦነግ ን17 ዓመት ኣብ ሓንቲ ከባቢ ተሓቢኡ ዝነበረ፣ መራሕቱ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዝነበሩ፣ ኣብ ሓንቲ ክልተ ወረዳ ኣብ ከባቢ ሃረር ዝነበረ ውድብ እዩ። ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ሰፊሕ ሰራሕ ሰሪሑ ወዲቡ ሓራ መሬት ፈጢሩ ኣጠናኺሩ ዝመፀ ኣይኮነን። ኢህወደግ ሓንጊሩ ንኣዲስ ኣበባ ዘእተዎ እዩ። ግን ንኦነግ ክንብል ዘይኮነ ንህዝቢ ኦሮሞ ክንብል፣ ህዝቢ ኦሮሞ ዝግበኦ ቦታ እዩ ኢልና ካብ ኢህወደግ ቀፂሉ ናይ ሚንስትራት ቦታ ናይቲ ግዛዊ ፓርላማ ቦታ ዝተወሃቦ ኦነግ ነይሩ። ኦነግ ባዕሉ ፀቢብ ስለዝኾነ ወይ ንሕና ልዕልና ዘለና ኢትዮጵያ ትኹን ወይ ድማ ኦሮምያ ክንፍንጭላ ኢና እዩ ነይሩ ቅዋሞም። ክልቲኡ እዙይ ጌጋ እዩ። ስለዚ ኦነግ ባዕሉ ልዕልና ደልዩ፣ ፀጊቡ፣ ሃዊኹ፣ በፅቢፁ፣ ልዕሊ ሕጊ እየ ኢሉ እሞ ድማ ምንም ኣስተዋፅኦ ንዘይገበረሉ ቃልሲ ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ቦታ ተዋሂብዎ እነዳሃለወ ክብሕትን ልዕልና ክረክብን ኢሉ ዝፈጠሮ ፀገም ምምካትና፤ ቅድሚ ምምካትና እውን ህዝቢ ኦሮሞ ክሳብ ዝርድኦ ንተዓገስ ዋላ ይቕተለና ዋላ ተጋደልትና እንዳቐተለ ተፃዊርና። እዙይ እዩ ተገይሩ። ሐዚ ንኦነግ ከምኡ ምግባርና ጌጋ እዩ፤ ንኢህወደግ ዝወዳደር ዝገታገት ሓይሊ ከይህሉ ገይርና ዝብል ጌጋ እዩ። ኦነግ ዘምፅኦ ዴሞክራሲ፣ ዘምፅኦ ሰላም፣ ዘምፅኦ ልምዓት ክንዲ ጣፍ ትኾን የላን። ኣብ ኦሮሞ እውን ሽዑ ተራእዩ እዩ ደሓር እውን ተራእዩ እዩ፤ ካብ ኦሮምያ ‘ውን ፀራሪጉ ዘውፀኦ ህዝቢ ኦሮሞ እዩ እምበር በይንና ኣይኮናን። ስለዚ ኦነግ ምውጋድና ንዴሞክራሲ እዩ ኣስተዋፅኦ ገይሩ።

ካልኣይ ናይ 1997 ዓ ም እዚ ኹሉ ዘርኣውነት እንዳሰበኹ፣ ዝኹሉ ዕግርግርን ህውከትን እነዳፈጠሩ ፣ ሕጊ እንዳጠሓሱ ወዘተ ዝፍጠረዎ ሓደገኛ ኩነታት ተፀሚሙ እዩ እታ ምርጫ እታ ውድድር ክትካየድ ገይርዋ ኢህወደግ። ዝኹሉ ገይሮም እንደሃለው እውን ኣብዚ ምርጫ ተጨበርቢሩ እዩ ተይሎም ተዓዘብቲ መፂኦም በሉ ይፃረ ይቆፀር እንዳበልና ብትዕግስቲ፣ ዝሰርሕዎ ወንጀል እንዳሃለወ ‘ውን ከይትሕዝዎም እቲ ምርጫ ክሳብ ዝፃረ፣ ህዝቢ ወንጀል ከም ዝፈፀሙን ክዕገሱ ከም ዘይኽእሉን ክሳዕ ዝርዳእ ንተዓገስ ተባሂሉ። ካብዙይ ዝበለ ዴሞክራሲ ታይ እዩ ክግበር ነይሩ? ስለዚ ንዚኣቶም ድሕሪኡ ድማ ብመረዳእታ እናተረጋገፀ ናብ ሕጊ ቀሪቦም፣ መሊስና ይትረፈና ምሕረት ይገበረሎም ይፈትሑ ተባሂሉ፤ መን እዩ ከምዚ ዝገብር?!

ሳልሳይ እቲ ናይ ህወሓት ክፍፍል ናይ ተሃድሶ እዋን “ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ኣይቅኑዕን ነይሩ ንታሪኽ ንግደፎ” ኣይኮነን ክበሃል ዘለዎ። ቅኑዕ ሓሳብ ቅኑዕ መፍትሒ ዘምፅእ ኣየናይ ነይሩ መርገፂ ክትወስድ ኣለካ። እቲ ናይ ተሃድሶ ሓሳብ እቲ ናይ ዴሞክራስያዊን ልምዓታዊን መስመር እዩ ቅኑዕ ነይሩ። ካብዙይ ወፃኢ ዝነበረ ሓሳባት ግጉይ ነይሩ ማለት እዩ። እቲ ናይ ተሃድሶ መስመር ተዘይስዕር ነይሩ እቲ ሐዚ ዝኒሀ ልምዓት ኣይምመፀን። እቲ ዝተረጋገፀ ሰላም ኣይምመፀን፤ እቲ ዕውት ናይ ዲፕሎማሲ ርክባት ኣይምመፀን። ስለዚ እቲ ሽዑ ዝተሓንፀፀ መስመር እቲ ካብኡ ዝምንጩ ፖሊሲታት ውፂኢት ኣምፂኡ ልምዓት ኣረጋጊፁ እዩ፣ ቅድሚኡ ኣብዩና ዶ ኣይነበረን።

ስለዚ እቲ ምንጪ ንሱ ኣይኮነን። ምንጪ ናይቲ ሐዚ ዝኒሀ ፀገማት ንሱ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ሽግር ኢህወደግ ከምታ ኣብ ተሃድሶ ዝሓንፀፃ፤ እቲ ናይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራሲ ክረጋገፅ ንግበሮ፣ እቲ ህዝቢ ነፃ ውዳብታት ፈጢሩ ክቆፃፀረና፣ ብፓርላምኡ ብማሕበራቱ ሓኒቑ ክሕዘና፣ ፅዕንቶ ፈጣሪ ክኸውን፣ እንፈርሖ ህዝቢ ክኸውን ንግበሮ፤ ከምዚኣ እንተዘይገይርና ክንበላሾ ክንብስብስ ኢና ኢያ ትብል እታ መስመር። ንሳ ኣብ ምትግባር እቲ ኣመራርሓ ልፍስፍስ ኮይኑ። ኣብይዎ።

ውራይና፦ ታይ ስለ ዝኾነ እዩ ኣብይዎ ወይ ከተግብሮ ዘይከኣለ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ንምንታይ ዶ? ገሊኡ ናብ በለፀኝነት (opportunist) ከይዱ፣ ገሊኡ ናብ ክራይ ኣካብነት ናብ ናብራኻ ምድልዳል ኣትዩ፣ ገሊኡ ዓቕሚ ዘይብሎ ናብቲ መሪሕነት መፂኡ፤ ብብቕዓት ብዓቕሚ ክኾን እናተገበኦ ብኔትወረክ ዝመፅእ ኮይኑ። እቶም ገለ ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ነዚ ኣይተቓለስዎን በለፀኛታት ኮይኖም። ስለዚ እቲ ምነጪ ናይቲ ሽግር ንተቐወምቲ ሰፊሕ ዕድል ምሃብን ዘይምሃብን ንኦነግ ከምዙይ ምግባር እንተይኮነ….

ውራይና፦ ኣብኡ ግን ኣነ ብነሃተይ ግንዛበ ካብቲ ናይ ፃድቃን ዝርድኦ ዘለኹ፤ ኦነግ ዴሞክራስያዊ ነይሩ ዝብል ዘይኮነስ ንስሚዒት ህእቢ ኦሮሞ ዝውክል ካብ ባዕሉ ዝቦቐለን ኣብኡ ዝዓበየን ነሃተይ ዝብሉ ውድብ የድሊ እዩ ብዝብል እዩ። ኦሀዴድ ናይ ህወሓት ውላድ ተገይሩ ዝረኣየሉ ኩነት ሰፊሕ እዩ እቲ ህዝቢ ንሃተይ ክብሎ ከምቲ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ዝርኦ፤ ህዝቢ ትግራይ እኮ ንህወሓት ሓሚቑ ክብሎ እንተኾነ እምበር ኣይነሃተይን ኣይብሎን። ስለዚ…

ኣባይ ፀሃየ፦ ስሚዒት እኮ ኣይኮነን ክውከል ዘለዎ። ረብሓ እዩ ክውከል ዘለዎ። ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ዶ ይውክል ነይሩ ኦነግ? ኣይነበርን..

ውራይና፦ በቃ ድሓን ኣብዚ ክትዕ ንግደፎ እሞ፤ ናብታ ናይ 1993 ዓም ክፍፍል ህወሓት ክንመፅእ ከለና ድማ ፃድቃን ዝብል ዘሎ እቲ ሓሳብ ኣየናይ ልክዕ ነይሩ ዝብል ዘይኮነስ እቲ ውፅኢቱ ግን ሓደ ናይ ውድብ መስርሓት ስለ ዝተጠሓሰ ርኡይ ጌጋ እኒሀ፤ ካልኣይ ድማ ንቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተትሓዝሉ መንገዲ ወይ ኣገባብ ሕማቕ ስለ ዝነበረ (እዙይ እውን ሓቂ እዩ) ኣብቲ ካሊእ ኣባል ፍርሕን ምሽቑራርን ፈጢሩ ዝሓትትን ስብእና ዘለዎን ኣባል ከይህሉ ገይሩ እዩ ዝብል ካብቲ nጥብታቱ እዩ። እዙይ ባዕለኻ እውን ኔተወረክ መፂኡ ሕሽክርና መፂኡ ዓቕሚ ዘይብሉ መፅኡ ጥቕሚን በለፀኝነትን መፂኡ ትብል ኣለኻ፤ ካብዚኣ እተፈለየት እኮ ካሊእ ኣይበለን። እቲ ውፅኢት እዩ ዝዛረብ ዘሎ እምበር መስመር ተሃድሶ ከም ሓሳብ ጌጋን ልክዕን ኣይበለን። በዙይ ዘይንስማዕማዕ ምእንቲ ክንመሃረሉ? ፃድቃን ስለ ዝበሎ ዲና ክንቃወም ዘለና? የምህር ዶ ኣየምህርን ልክዕ ድዩ ኣይልክዕን ዶ ኣይኮናን ክንርኢ ዝግበአና?

ኣባይ ፀሃየ፦ ኣይኮነን። ክነግረካ! ቅድሚ ተሃድሶ ህልም ዝበለ ኔትወርክ ነይሩ። ኣብቶም ዝወፁ ‘ውን ኣብ ዘይወፃእና ‘ውን በለፀኝነት ፀረ ዴሞክራስያዊነት ሽዑ ካብቲ ናይ ሎሚ ዘይንእስ ነይሩ፤ ክገድድ ተዝይኮይኑ። ዴሞክራሲ ስለ ዝፀበበ ምልምማፅን ኣድረባይነትነ ስለ ዝሰፍሐ እኮ እዩ ናብ ተሃድሶ ተኣትዩ….

ውራይና፦ ስለዚ ቅድሚኡ እውን ነይሩ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ እምበር ሐዚ የለን ኣይኮነን?

ኣባይ ፀሃየ፦ ቅድሚኡ ነይሩ። ድሕሪ ተሃድሶ ቅሩብ ጠፊኡ ነይሩ፤ ሐዚ ኸኣ ተመሊሱ ጠንኪሩ እኒሀ እየ ዝብል ዘለኹ። ዘመንጭዎ ዘሎ ተሃድሶ ኣይኮነን፣ ዘመንጭዎ ዘሎ እቲ ክራይ ኣካብነት እዩ፣ እቲ ፖለቲካል ኢኮኖሚን እቲ መሪሕነትን እዩ እምበር ተሃድሶ ኣይኮነ፣ መለስ ኣይኮነን ወይ ክስቶ ስለ ዝተኣሰረ ዝተፈትሐ ኣይኮነ እየ ዝብል ዘለኹ። ተረዲእኻኒ ዶ?

ውራይና፦ እሺ..

ኣባይ ፀሃየ፦ ተሃድሶ ከይተጀመረ እንደሃለዎ ፀረ ዴሞክራሲ ኣይነበረን ድዩ? ተሃድሶ እማ ልምዓት እኳ ኣምፂኡ!

ውራይና፦ ስለዚ እንታይ ተስማዕሚዕና ኣለና እቲ ፀገም እቲ ፀረ ዴሞክራስያዊነት እኒሀ እዩ። እቲ መሪሕነት በለፀኝነት፣ ዓቕሚ ምንኣስ፣ ክራይ ኣካብነት እኒሀውዋ። አዙይ ድማ ናብቲ ሽግራት ይወስደና ኣሎ እዩ። እዙይ ዝቆፃፀሮ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ድማ ኩሉ ነገር ተቖፃፂሩ ፓርቲን መንግስቲን ዘይተፈለየ ምዃን ንቲ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ጎዲእዋ ዝብል ክ ንስማዕማዕ ዶ? (እቲ ትኽክለኛ ምንጪ ናይቲ ፀገም እንተ ነፂርና መፍትሒ ንምንዳይ ይሕግዝ ብዝብል እየ ዝጭቕጭቐካ ዘለኹ)

ኣባይ ፀሃየ፦ እወ! እዙይ ልክዕ እዩ። ኣብኡ ሽግር ኣሎ እዩ። ክእረም ኣለዎ ኢልና እናተኸይደ እናተገምገመ እዩ። ዝጋነን እኳ ተዘይኮነ ማለት ብፈላፂ ቖራፂ ዝግለፅ እኳ ተዘይኮነ ግን እኒሀ እዩ ከምኡታት ዝብል ልክዕ እዩ። ንኣብነት ብቕዓት ዘይብሎም ናይ ፓርቲ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ስለ ዝኾኑ ኣብ ዘይግበኦም ቦታ እናተሸሙ፣ ካብ ካቢኔ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት ትካላት ዓብዪ ጉድለት እኒሀ። እዙታት በጌጋ እዩ ኢልና ዝገምገምናዮ እዩ ክነስተኻክሎ ኣለና። ፓርቲ እዩ ኣሸኒፉ ዝነሀ ንሱ እዩ ዝመርሕ ክመርሕ ዘለዎ፡ እዙይ ኣብ ማንም ምዕቡል ዓዲ ዘለዎ እዩ ግን ንኹሉ ነገር እሞ ድማ ዓቕሚ ብዘይብሎም ብሽም ኣባላት ምቁፅፃር ግን ጌጋ እዩ። ኣባልካ እተቕምጠሉ ቁልፊ ቦታ እዩ እንተይልካ እኳስ ብቑዕ ኣባል ትሸሞሉ እምበር ዓቕሚ ዘይብሉ ምሻም ዓብዪ ዝርአ ዘሎ ፀገም እዩ። ብስሩ ድማ ፓርቲ ኣብ ናይ ፓርቲ ስርሑ ከተኩር እናተገበኦ ኣብ ዝግበኦን ዘይግበኦን ናይ መንግስቲ ስራሕ እናወዓለ ንቲ መንግስቲ እውን ኣይኾን ንባዕሉ እውን እንዳተለጠጠ ዝፅገመሉ ኩነታት እኒሀ እዩ። እዙይታት ይስተኻኸል ኢልና ዝመዓራረየሉ ስራሕቲ ኣሎ።

ውራይና፦ እሞ ኣብቲ ምንጪ እዩ እኳ ቁሩብ ፍልልያት ዝኒሀ እምበር ኣብቶም ፀገማት አኒሀ ዝብል ንሰማዕማዕ ስለ ዘለና ብስሩ ከመይ ገይርካ እዮም እቶም ፀገማት ክፍትሑ? ብየናይ መነገዲ? ብኸመይ ኣገባብ ይፍትሑ? መን እንታይ ይግበር ትብል?

ኣባይ ፀሃየ፦ እቲ ዋና ነገር ንሱ እዩ። እቲ ሽግራት ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ ይዝረብ እዩ፤ ግን ኣብቲ ምንጪ ናይቲ ሽግርን እቲ ሽግር ናበይ ክወስደና እዩ ኣብ ዝብልን ብዙሕ ዝንባለታትን ኣረኣያታትን እኳ ተሃለው እቲ ቐንዲ ምንጪ ግን እቲ ኣመራርሓና እዩ ዝብል እንተወሰድና እሞ ናብቶም መፍቲሕታት ምንዳይ እንተኸድና ይሐይሽ። ምንጪ እቲ ፀገም ሕገምንግስትና ኣይኮነን፣ ወያናይ ዴሞክራስያዊ መስመር ኣይኮነን፣ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣይኮነን ንዚ ናይ ዝፍፅም ኣመራርሓና ጉድለት እዩ እቲ ምንጪ ኣብ ዝብል እንተተስማሚዕና ከመይ ይፈታሕ እዩ። ቁልፊ ፀገም ናይቲ ኣመራርሓን ናይቲ ፓርቲ ብቕዓት ምንኣስን ተኾይና እያ ድማ፤ እታ ቁልፊ መፍትሒ እውን ንመንግስቲ ነስትኻኽሎየ ንሰራዊት ከምዙይ ንግበሮየ ቅድሚ ምባልና ነቲ ፓርቲ ነስተኻኽሎ ትኸውን። ንቲ ፓርቲ ክነስተኻኽሎ ተለና ‘ውን ካብ ላዕሊ ንጅምር ካብ ኣመራርሕኡ ካብኡ ስለ ዝኾነ እቲ ቀንዲ ፀገም። እዚ በለፅ፣ ፀረ ዴሞክራሲ፣ ትምክሕትን ፀቢብነትን፣ ኪራይ ኣካብነት ወዘተ ኣብቲ ኣመራርሓ ዘሎ መጀመርታ ፈታቲሕና ንዙይ ድማ ህዝቢ’ውን ሓጊዙና ኣባል እውን ኣሳቲፍና ብሓደሻዕ ኣይተፅርዮን ግን ንፍጠሮ ናይቲ ህዝቢ ነበልባል ሓዊ ፈጢርና ንፍጠሮ። እቶም ዝበልናዮም ማሕበራት እቶም ፓርላማታት እቶም ሚድያታት ገለመለታት ንቲ መንግስትን ንቲ ፓርቲን ኩሉሻዕ ክፍትሽዎ ንግበር። ንዓኣቶም ነብቀዓዮም ሐዚ። እቲ ኣባል ውድብ እውን ንመራሕቱ ክቆፃፀር፣ እቲ መሪሕነት ‘ውን ነኒርእሱ ብደንቢ ክቀላለስ (ንሽመቱ ንናብርኡ ኢሉ ዘፅቅጥ ከይኸውን) ንግበር ካብ ዝብል ይጅምር።

ካልኣይ እዙይ ብዘመቻ ብገምጋም ብግዛምዕመዛዕ ጥራሕ ድማ ኣይኮነን። ብሓዞ ትሰዶ ‘ውን ኣይኮነን ዝፍታሕ። ዝሕተት ይተሓተት፣ ኣብ ዘይቦተኦም ዝተቐመጡ ይሸጋሸጉ፣ ብቑዓት ናብ ላዕሊ ይምፅኡ። ግን ብቐፃልነት ዘላቒ ዝኸውን አቲ ኣሰራርሓ ነዐርዮ፤ ብቑዕ ሰብ ዝመፀሉ ፣ ብቑዕ ሰብ ዝምልመለሉ፣ ብቑዕ ሰብ ዝሽየመሉ፣ ውፂኢት ዘየምፀአ ዝሕተተሉ ስርዓትን ኣሰራርሓን ይሃሉ እዙይ እዩ ዘላቂ መፍቲሕኡ። ሲይስተም እዩ መፍቲሕኡ። ስለዚ ነዙይ ክኸውን ምእንቲ ሓደ እቲ ናይ ፓርቲ ናይ ኣመላምላን ኣሸያይማን ስርዓቱ የፃፍፍ፤ ካልኣይ ፓርላማ ነጠናኽሮ፣ ፍርዲ ቤት ነጠናኽሮ፣ ሚድያ ነጠናኽሮ፣ ናይ ህዝቢ ማሕበራት ነጠናኽረን..ንምንታይ? ምእንታን ንቲ ፓርቲ ይኹን ንቲ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ይኹን ክቆፃፀርዎ ኣጥቢቖም። እቲ መንግስቲ ድማ ተነፃፃሪ ነፃነቱ ዝሓለወ ክኸውን ካብቲ ፓርቲ። እቲ ፓርቲ ብፖሊሲ ይምራሓዮ፣ ብቑልፊ ቑልፊ ሽመታት ይምረሓዮ፣ ብሓሳብ ይምረሓዮ ካብዙይ ወፃእ ግን ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት እነኣተኻ ከም ምንግስቲ ነፃ ኮይኑ ክፍፅሞ ዝግባእ፣ ከም ቢሮክራሲ ነፃ ኮይኑ ክፍፅሞ ዝግባእ ዘይምሕምዛቕ። ናይ ሞያ ነፃነት፣ ናይ መንግስቲ ኣካላት ነፃነት ሕጋዊ ነፃነቶም ብውሕድ፣ ምምሕዳራዊ ነፃነቶም ብውሕድ ክረኽቡ ክኽእሉ ኣለዎም። ነዙይ ዘረጋግፅ ኣካል ኣካል ክህሉ ኣለዎ እዙይ ዝገብረሉ ኣሰራርሓታት ክንሕንፅፅ ኣለና ክንትግብር ኣለና።

ሳልሳይ ንቲ ኢኮኖሚ ተወዳዳሪ ብምግባር፤ ንቲ ሓቀኛ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ምሉእ ድጋፍ ብምሃብ፤ እቲ ክራይ ኣካቢ ነጋዳይ(ሐዚ ንሱ እዩ ልዕልና ዝኒሀዎ) ብውድድር ክሰርሕ ናብ ስርዓት ክኣቱ ተዘይኣትዩ ክቕፃዕ ንግበር። ንቲ ልምዓታዊ ብዓል ሃፍቲ፣ መፍረያይ ዝኾነ፣ ብውድድር ዝኣምን፣ ብሕጊ ዝሰርሕ እንሓጊዝናዮ እንተኣጎልቢትናዮ ከይዱ ከይዱ ንሱ መሪሕነቱ ስለ ዘረጋግፅ ናይ ባዕሉ ፓርቲ መስሪቱ (ካብቶም ሐዚ ሓንቲ ንዴሞክራስን ልምዓትን ኣስተዋፅኦ ዘይብሎም ፓርቲታት ተላቒቑ) ትኽክለኛ ናይ ባዕሉ ሊበራል ፓርቲ ናይ በዓል ሃፍቲ ፓርቲ ፈጢሩ ንሱ እዩ ንኢህወደግ ክገታገቶ ዝኽእል። ንኢህወግድ ክወዳደሮ ዝኽእል ኣብ መወዳእታ እውን ስልጣን ዝርከቦ እዚ ከምዚ ዝበለ ሊበራል ናይ ሰብ ሃፍቲ ፓርቲ እዩ ክትክኦ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ ኣብዞም ሐዚ ዘለዉ ዘይጠቕሙ ፓርቲታት ኣይኮናን መፍትሒ ክንደሊ ዘለና፤ ገለልተኛ ኣካል ይጣየሽየ፣ ምርጫ ቦርድ ከምዙይ ይኹንየ ዝብል ኣይኮነን ክኾን ዘለዎ እዙይ ኣይኮነን እቲ መፍትሒ። ምርጫ ቦርድ ናትና ካብ ናይ ማንም ዓዲ ብዝበለፀ ነፃ እዩ። ስለዚ ንቲ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ንቲ ምሁር ናይ ሓሳብ ነፃነቱ ይኹን ናይ ስራሕ ነፃነቱ እንተቢልናዮ እቲ ሙሁርን እቲ በዓል ሃፍትን እዮም ተቐባልነት ዘለዎ ጥዑይ ኣመራርሓ ክኸውን ዝኽእል ፓርቲ ክፈጥሩ ዝኽእሉ።

ውራይና፦ እዚኣቶም እቶም ትብሎም ዘለኻ ብደጊኦም ብናይ ባዕሎም መንገዲ ድዮም ክውደቡ ክፍቀድስ ኣብ ውሽጢ ዝዓቢን ዝሕገዝን ኢኻ ትብል ዘለኻ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ነመቻችወሎም። እቲ ዴሞክራሲ እንተጎልቢትናዮ፣ ናይ ሕጊ ልዕልነት እንተረጋጊፅና፣ ፍርዲቤታት፣ ሚድያታት፣ ፓርላማታት፣ …ንቲ ፓርቲ ‘ውን ንቲ ፈፃሚ ኣካል ‘ውን ክቆፃፀርዎ እንተገይርናዮም እቲ ክፍጠር ዝግበኦ ናይ ዴሞክርሲን ናይ ልምዓትን ፓርቲ ነፃነት ረኺቡ ክጉልብት እዩ።

ውራይና፦ ግርም ሐዚ ድማ ብፍሉይ ንትግራይን ተጋሩን ዝምልከቱ ሓደ ሓደ ነገራት ንርአ እሞ፤ ተጋሩ ሕልፊ ይጥቀሙ ኣለው፣ ናይ ህወሓት ልዕልነት እኒሀ ዝብል ይልዓል ኣሎ። ብዙሓት ኣብትርቲ እውን ናብ ተጋሩ የወጣውጡ ኣለዉ ትግረዋይ እውን ስግኣት ይሓድሮ ኣሎ..እዚታት ከመይ ትሪኦ? ብስሩ እቲ ናይ ትግራይ ልዕለነት ዝበሃል እኒሀ ዶ? ተጋሩ ኸ ዒላማ (ታርጌት) ይኾኑ ኣለው ዝብል ትስማዕማዕ ዶ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ከም ተጋሩ ንጥቃዕ ኣለና ዒላማ ንኾን ኣለና ዝብል ልክዕ እዩ፤ ግን መን እዩ ዘጥቀዐና ዘሎ ወይ ዒላማ (target) ዝገብረና ዘሎ እዩ እቲ ሓደ ክርአ ዘለዎ። ካልኣይ ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ እዩ። ሳልሳይ ከመይ ኢና ንወፆ ወይ ንምክቶ እዚ ነገር እዙይ እዩ። እዚአን እየን ክርአያ ዘለወን።

መን እዩ ተጋሩ ተጋሩ፤ ናይ ትግራይ ልዕልና፣ ናይ ህወሓት ልዕልና ዝብል ዘሎ? መን እዩ ዘመንጭዎ ዘሎ?፤ ሓደ እቶም ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ብቓልሱ ምስ ውድቡን ምስ ካልኦት ህዝብታትን ኮይኑ ደማሲሱ ዝፀራረጎም ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ተረፍመረፍ ትምክሕቲ፣ ኢህኣፓ፣ ደርጊ-ኢሰፓ፣ ካልኦት መሰላቶምን እዮም ካብቲ ወንቦሮም ካብቲ ፈላፂ ቆራፅነቶም ስለ ዘወገዶም ብቒም በቀል ዝፈጠርዎ እዩ ሓደ። ብተወሳኺ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሐዚ እንተስ ብዘይ ሕጋዊ ምንገዲ እንተስ ብሌብነት ዝሃፍተሙ እሞ ከይንሕተት ዝብል ስግኣት ዘለዎም፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ወይ ንቲ ናይ ቀደም ስርዓት ክምልሱ ዝደልዩ ንቲ ናይ ትምክሕቲ ወይ ድማ ብፀብቢነት ተራና ክንጭቁን ዝብል ናይ ቂም በቀል ኣርኣእያ ዘለዎም ሓይሊታት ምስ ሻዕብያ ይኹን ምስ ካልኦት ናይ ወፃኢ ሓይልታት ተኣሳሲሮም ዝፈጠርዎ እዩ። እቲ ተራ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ ወይ ካሊእ ህዝቢ ዝፈጠሮ ኣይኮነን። ግን ፀልዮሞ እዮም ብፍላይ ንቲ መንእሰይ ብፍላይ ንቲ ሙሁር፤ ኣደነጋጊሮሞ እዮም ብተወሰነ ደረጃ። ስለዚ ኣምሓሩ ከምዙይ በሉና፣ ኦሮሞ ከምዙይ በሉና..ከምዙይ እንዳተበሃልና ኣይኮነን ክበሃል ዘለዎ፤ ፀላእቲ ከምዙይ በሉና፣ ትምክሕተኛታት፣ ኢሰፓታት፣ ደርጊታት፣ ኦነጋት፣ ግንቦት 7….ከምዙይ በሉና ይበል። እቲ ህዝቢ ኣይኮነን፤ እቲ ህዝቢ እማ ንህዝቢ ትግራይ ይፈቱ፣ ንህዝቢ ትግራይ የመስግን ዝኹሉ መስዋእቲ ከፊሉ ካባና ተፈለየ ዘይተጠቐመ ይብሉ ኣለው ኩሎም ህዝብታት። እሞስ ንቶም ፀላእትና ኢና ክንፈሊ ዘለና፤ እሞ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ፀላእቱ…ንህዝቢ ኦሮሞ ኣይጠቕሙ ንህዝቢ ኣምሓራ ኣይጠቕሙ። ስለዚ ናይ ኩላትና ፀላእቲ እዮም።

ንምንታይ ድኣዮም ናብ ትግራይ ዘቕንዑ ዝብል ክኣ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። ንምንታይ ናብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን የነፃፀር ኣሎ እቲ ፈኸረኦምን መጥቃዕቶምን ክምለስ ኣለዎ። ብዙሕ ዘይነቐሐን ድሕረታት ዘለውዎን ድኻ ህዝቢ ብኸምዙይ ኢኻ ብቐሊሉ ክተታልሎ ትኽእል። እዙይ ይገብረካ እዙይ ይገብረካ ኣሎ እናበልካ እናወናብደካ ናብ ስሚዒት ክተእትዎ ትኽእል።

ከመይ ይፍታሕ ከኣ እታ ዋና ጉዳይ ንርአ። እታ መፍትሒ ሓደ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓድነቱ ምስቶም ካልኦት ዴሞክራስያዊ ሓይልታትን ምስቶም ካልኦት ህዝብታትን ከስጥም እዩ ዘለዎ። ብሓባር ኮይና ኢና ንፈትሖ፤ ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኣይኮነን ከምኡ ዝገብር ዘሎ ዝብል ኣተሓሳስባ ክንሕዝ ይግባእ። ካልኣይ ድማ ህወሓት ይጠንክር፣ ኢህወደግ ይጠንክር፣ መንግስቲ ይጠንክር..እዚ ስርዓት አዚ ከይዳኸም ብፅንዓት ደው ንበል፣ ንሓልዎ፣ ንከላኸሎ። እምበር ናብ ምቑዛም ናብ ስግኣት ናብ ብኽያት ኣይንእቶ። ቀደም ዘይበኸና ሎሚ ኣይንበክን፣ ቀደም ዘይፈራሕና ሎሚ ኣይንፈርሕን፣ ቀደም ዘይተንበርከኽና ሎሚ ኣይንብርከኽን። በርደግ ክንበል ኣለና ክንጭነቕ የብልናን። ህወሓት ልውስውስ ኣይትብል ድኽመታትካ ኣፅሪ ክንብል ኣለና።

ውራይና፦ ብኸመይ እሞ ኢና ከምኡ ክንብል? ህወሓት ድኽመቱ ከፅሪስ ደለና ከመይ ገይርና ከምኣ ክገብር ንገብሮ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ብቑዕ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ክመፅእ። እዙይ እንታይ ማለት ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤታት ኣኼባታት ዝጀመርናዮ እርማት ኣሎ። ሓደ ህዝብና ዝብለና ንስማዕ ምስ ህዝብና ንማኸር ህዝብና ዝሓተና ንመልስ ዝብል እዩ። ህዝቢ ምስማዕ ጠጠው ኣቢልና ኣለ….

ውራይና፦ ኣብኡ ግን ዘይስማዕምዐሉ ማለት ክኸውን ዋላ ተደለናዮ ግን ክኾን ኣይኽእልን ዝብሎ እኒሀኒ….እቲ መሪሕነት ከመይ ገይሩ እዩ ባዕሉ ንባዕሉ ዝእርም? ኣብ ክራይ ኣካብነት ኣትዩ እዩ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ወይ በለፀኛ (opportunist) እዩ ወይ ዓቕሚ ዝንእሶ እዩ እኮ ኢልና ኢና፤ ዓንተዎ ከምኡ ኢልካ ባዕልኻ። እዙይ ፖለቲካዊ ስልጣን ከይውንን እዩ ክሕሎ ነይርዎ እምበር እንተሒዙስ ከመይ ይለቃ። ስለዚ እዙይ እታ ስልጣኑ ጥቕሙ ዘኽብረላ ስለ ዝኾነት (ጥቕሚ ድማ ክሳብ መወዳእታ ኢኻ ትሕልዋ፡ እዙይ ሳይነስ እዩ) ህዝባዊነቱ ብቶም ዝበልናዮም ተሸርሺሩ ስለ ዘሎ ከመይ ኢሉ እዩ ንባዕሉ ገምጊሙ ፃድቕ ኮይኑ ክመፀልና ንፅበ? ተገዲዱ ተዘይኮይኑስ ብሰናይ ፍቓዱ ከመይ ኢሉ ይኸውን ትብሎ ኣለኻ? ክነገድደሉ እንኽእል መስርሕ፣ ኣወዳድባ ወዘተ ተዘይሃልዩ ከመይ ኢሉ ይኸውን?

ኣባይ ፀሃየ፦ መጀመርታ ካብቲ ውሽጢ ውድብ ንጀምር፤ ሓደ፡ ኩሉ ማእኸላይ ኮሚቴ በለፀኛ ኣይኮነን፣ ኩሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ናብ ክራይ ኣካብነት ዝኣተወ ኣይኮነን፣ ኩሉ ኔትወርክ ዶ ግዛዕ ዶ ዝኣተወ ኣይኮነን፤ ስለዚ እቲ ጥዑይን እቲ ዝተበከለን ኣብ ውሽጡ ቃልሲ የበራትዕ። በለፀኛ ክነብር በሃላይ ኣይኹን እቲ ጥዑይ እውን። ካልኣይ ኣብ ላዕሊ ጥራሕ እውን ኣይትፍታሕን እዩ። እቲ ኣባል ጉባኤ ዝመርፅ ንሱ፣ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝመርፅ ንሱ…ዋእ! ከምዙይ እኮ እዮም ከምዙይ እኮ እዮም እኒ አገለ አናበለ ይውዕል። መፂኡ ድማ ኣብ ጉባኤ ንዕኦም ይመርፅ። ታይ ወረዲዎ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ? እንድሕር ከምኡ ትብሎም ኮይንካ ኣይትምረፆም ኣውርዶም ክበሃል ኣለዎ። እቲ ዝሓለፈ ጉባኤ ቁሩብ ጥንክር ዝበለ ነይሩ፤ ካብኡ ዝጠንከረ ጉባኤ ድማ የድልየና። እዙይ እቲ ኣመራርሓ ምምራፅ ዝምልከት እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ሳልሳይ ቤት ምኽሪ ናይ ክልል ህዝቢ ዝመረፆ እዩ። ህዝቢ ክመርፅ ከሎ….

ውራይና፦ ዋእ! ኣብዙይ አኮ ህዝቢ ምንም ስልጣን የብሉን ሰባት ንምፍላይ። እቲ ኣሰራርሓ ናይ ህወሓት ከምኡ ኣይፈቅድን። ህወሓት ዋላ በኽቲ እንተቕሪባትላ ስቕ ኢልካ ምርፅ ንህወሓት ኢኻ እምበር ንእገለ ዝበሃል ውልቀ ሰብ ኣይትመርፅን ዘለኻ እኮ እዩ ዝበሃል። ኣይ እዚኣ እንድያ ድኣ እታ ሓንቲ ዓባይ ሽግር ትመስለኒ። ህዝቢ ኣይመርፆምን ዝበሎም ዒዋሉ ንባዕሎም እኳ ዘይኾኑ እናዳተወከሉ ብናይ ህወሓት ኣቦወንበር ድሌት እድዮም ግዲ ናብ ዝኹሉ ሽግራት ዝርግርጉና ዘለው። መን እዩ ኣቦወንበር ዘይደለዮ ናብ ቤት ምኽሪ ዝውከል በየናይ ኣሰራርሓ? ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ክመርፅ ይደሊ ግን ዘይደልዮም ሰባት ተቕርበሎ እታ ውድብ፡ ከምዚኣ እናዳበለ ብዙሕ ግዜ የማርር ኣሎ። ከመይ ክገብር ኢኻ ትብል ዘለኻ?

ኣባይ ፀሃየ፦ እወ ልክዕ እንዲኻ ህወሓት እንድዩ ዝሓፅየሎም ግን ካብ መጀመርትኡ ሕማቕ ሰብ ክሓፂ ከሎ እዙይ ኣይንቕበልን ምባል። ንቲ ሰብ እገለ ኢልካ….

ውራይና፦ ዋእ! እሞ ንሕና ብናትና ዕድመ ንፈልጦስ እገለ ኣይንደልዮን እኮ ኢሉ ነይሩ ህዝቢ ከተማ መቐለ እኳ ከም ኣብነት እንተወሲድና እቲ ብስሩዕ ዝቐረበ ሕቶ ማለተይ እየ። ግን ውድብ ድማ ኣየእትወኩምን ንህወሓት ኢኹም ትመርፁ እምበር ንቲ ሰብ ኣይኮንኩምን ኢላ ብተግባር ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን። ዋላ እቲ ጉባኤ ዝበልካዮ እውን ብቲ ናይቶም ሓለፍቲ ድሌት ዶ ኣይኮነን ዝካየድ? ኣብቲ ዝሓለፈ ማዕሮ ንቶም ከኾባት መራሕቲ ህወሓት ዶ ኣይኮነን ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይውከሉ ፃዕሪ ተገይሩ ዝነበረ? እንዳፈለጥካዮ? በቲ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ጥራይስ እቲ ኣመራርሓ ከይዓረየ ወይ ከይተወገደ ከመይ ኢሉ ይዕሪ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ህወሓት ሓይሉ ዝበተነ ውድብ እዩ እየ ዝብሎ ኣነ፤ ብሉፃት ውላድ ትግራይ ካብ መሪሕነት ወፃእ እኒሀው ዝብል ገምጋም እዩ ዘሎ። እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ግምት እንዳእተኻ ክትምልሰለይ እየ ዘልዕለልካ ዘለኹ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ሐዚ እንታይ እዩ..እታ ናይ ጉባኤ ኣሰራርሓ ኣባል እዩ ዝውክል ኣባል ከኣ ብፅፈት ክውክል ኣለዎ ብዝብል ንውሰዳ። እታ ናይ ቤት ምኽሪ ውክለና ሓሪኻ ምቕራብ ዝብል እቲ ህዝቢ ጠንኪሩ ንቲ ፅዕንቶ ፈንፂሑ እገለ ዝበሃል ኣይንደልን ክብሎ ኣለዎ ንህወሓት። እቲ ዝበልካዮ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ነገራት ግን ክነብር ይኽእል እዩ ነይሩ ‘ውን እዩ፤ ግን ንሱ ጢሒሱ እዩ እቲ ህዝቢ መፍትሒ ክፈጥር ዘለዎ። ስለዚ ናብ ዘይሕጋዊ መንገዲ ከይከድካ፣ እቲ ስሩዕ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ከይጠሓስካ ብናይ ህዝቢ ድሌት ዝተመረፀ ፓርላማን ጉባኤን እዩ ሓያል ክኾን ዝኽእል። ቀደም ‘ውን ብኣ ኢና እናኸድና ነይርና ዝሓሸ ኣመራርሓ ዝመፅእ ዝነበረ።

ውራይና፦ ሽዑ ድኣ ህዝባዉነት እኮ ነይርኩም፤ ዓቕሚን ዓርሰ እምነት እኮ ነይርኩም….

ኣባይ ፀሃየ፦ እወ…ንሱ እማ ኣብቲ መሪሕነት ሽግር ስለ ዝተፈጠረ እንድዩ ዝፍጠር ዘሎ እቲ ፀገም። ሐዚ እቲ መሪሕነት እንድሕር ብታ ሕጋዊት መንገዲ ዘይእረም ኮይኑ እቲ ሐዚ ንሪኦ ዘለና ብሃገር ደረጃ ዝፍጠር ዘሎ ሽግር እዩ እናጎልበተ ዝኸይድ። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ፣ ብናይ ዕግርግር መንገዲ ክኸድ ክግደድ እዩ እቲ ኣባል እውን እቲ ህእቢ እውን፤ ናብኣ ኣይንድፈኣያ ንሳ ዝኸፍአተ እያ ንኹላትና ሓደገኛ እያ እዩ ክበሃል ዘለዎ። ናብኣ እንተደፊኢናዮ ኩልኻ ተለኻኺምካ ኢኻ ትጠፍእ። እዚኣ ከይትኸውን ብቲ ሕጋዊ መንገዲ ዓሪ፤ ውክልና ፣ መረፃ ኢደካ እናእተኻ ናብቲ ናብቲ ክትተውዮ ኣይትፈትን፤ ዝርአ እዩ ዝስማዕ ዝሕባእ ኣይኮነን፤ ካብ ማንም ዝሕባእ የለን። ስለዚ ካብ ብቤት ምኽሪ ወፃእ ካብ ብጉባኤ ወፃእ ካብ ብማእኸላይ ኮሚቴ ወፃእ ካብ ናይ ህዝቢ ወዳበታትን ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ወፃእ ብኻሊእ መንገዲ ክንእርሞ ኣይንኽእልን። ብኡ ፈቲንካ ዝተኸየደ ርሕቐት ኣሎ ዝተዓገተ እውን ኣሎ። ኢሉ ኢሉ መን እዩ ክስዕር? እቲ መሪሕነት ኣይኮነን ክስዕር ዝመስለኒ ኣነ እቲ ህዝቢን እቲ ኣባልን ፈንፂሑ ክውፅእ እዩ ዝብል ኣለኒ። እንተይፈተወ እቲ መሪሕነት ወይ ይዕሪ ወይ ድማ ለኪሙ ንባሉን ንቲ ኻሊእን ሒዝዎ ይጠፍእ።

ውራይና፦ እሞ ሒዙና ከይጠፍእስ ታይ ንግበር መማረፂ ታይ ይሃልወና? ስቕ ኢልና ዲና ክንፅበ ክሳብ ሒዙና ዝጠፊእ?

ኣባይ ፀሃየ፦ እንታይ እያ ክትኮን ዘለዋ እታ መፍቲሒት ንቲ ኣባል ድፈር ከምዚኣ ትኹን መረፃ በል ብቕኑዕ መንገዲ ምረፅ። እቲ ኣባል ዝበዝሕ ብናይ ባዕሉ መንገዲ እዩ ዝነብር። እቲ ኣመራርሓ እዩ ብደመወዝን ጥቕማጥቕምን ዝነብር ዘሎ። ስለዚ ዝጎድሎ ስለ ዘይብሉ ክቃለስ ይኽእል እዩ እቲ ኣባል። እቲ ህዝቢ እውን ከምኡ።

ውራይና፦ ካብታ ናይ ውድብ ትብላ ዘለኻ መንገዲ እንታይ ኣወዳድባን ኣሰረራሓን ይሃልወና ንቲ ኣመራርሓ እነገድደሉ ወይ ተፅዕኖ እንፈጥረሉ እኮ እያ ተተሓሳስበና ዘላ? ስቕ ኢልካ ስለ ከምዙይ ክግበር ኣለዎ ስለ ዝበልካ ዶ ይመፅእ እዩ? ካሊእስ ይትረፍ ንስኻትኩም ትብልዎ ይስማዕ ኣሎ ድዩ? ንኣብነት ንስኻ፣ ኣቦይ ስብሓት፣ ስዩም ገለመለ ኮይንኩም ኣብ ትግራይ ዘይርኩም ዘሎ ፀገማት ሪኡኹም ኣቕሪብኩም ዶ ኣይንቕበለን ኣይበሉኹም ከም ዝሰማዕኽዎ ተኾይኑ ተተጋግየ ትእርመኒ፤ ስለዚስ ንዓኹም እኳ ዘይሰምዑስ ንመን ይሰምዑ፡ ዘገድድ ነገር እንተዘይሃልዩ እዩ ዘጨንቐናን ካሊእ መንገዲ ዶ ይህሉ ኢሉ ላሕ ዘብለካ ዘለኹን።

ኣባይ ፀሃየ፦ እንታይ ተወሳኺ ንምእራም ዝሕግዝ ነገር ይገበር እዩ ዝመስለኒ እቲ ሓሳብካ?

ውራይና፦ እወ

ኣባይ ፀሃየ፦ ሐዚ እቲ ስሩዕ ፓርላማ ኣሎ፣ ጉባኤ ኣሎ፣ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣሎ፣ ኣባል ኣሎ ዶ ኢልና ኣለና፤ ሓደ ንሱ ዝከኣሎ ይግበር። ካልኣይ እቲ ማሕበራት ኣሎ ናይ መንእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ ሓረስቶት ወዘተ ስቕ ኢሉ ወይ ደጋፊ ዕሙት ደጋፊ ወይ ተኣዛዚ ገይርናዮ ተሪፍና ዘለና፤ ክቃወም ኣይኽእል ክነቅፍ ኣይኽእል ከምኣ እንተገበረ ድማ ከም ነውሪ ዝረአ ዝኹረ። ስለዚ እቲ መንእሰይ እቲ ናይ ሙሁራት ውዳበታት ብፍላይ ድፍር ኢሉ ምግፋጥ ይጀምር ዋላ ዋጋ እናኸፈለ ሓደ መፍትሒ እዩ። ካሊእ ድማ እቲ ሙሁር እቲ መንእሰይ ተወሳኺ ጠንካራ ውዳበታት፣ ፎሮማት እንተፈጠረ እውን ክጠቅም ይኽእል እዩ። ሕጋዊ ክሳብ ዝኾነ ብዝደለዮ ይወደብ፤ መድረኻት ይፍጠር..ሕጋዊ ክሳብ ዝኾነ ሰላማዊ ክሳብ ዝኾነ ብኹሉ ገፅ እንታይ ኮይንኩም ኢኹም ከምዘይ ዘይትገብሩ ንምንታይ እዙይ ትገብሩ ትጋገዩ ኢሉ ገቲሩ ዝሕዝ ክኸውን ኣለዎ። ኩላትና ኢና ከምኡ ክንገብር ዘለና። ከምኡ እንተገይርና ብዚ መንገዲ እዙይ ክሰምዕ ዕድል ኣሎ። ፀቕጢ እውን ስለ ዝበዝሕ ክፃወሮ ኣይኽእልን። እዙይ እንትንገብር ኣብ ውሽጢ ‘ውን ዋላ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ክዕረ ዝደሊ እኒሀ፣ ኣባል ‘ውን ኣሎ ንዚ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ እውን ንኽሕግዘና ሓቦ ረኺቡ ክቃለስ ይሕግዝ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩስ ንቶም ውሕዳት ፈፃሚትየ ገለየ ምዕራይ ከመይ ኢሉ ይኣብዮ እንተተሲኡላ።

ከምኡ ተዘይኮይኑ ግን ምስ ህዝቢ ጠቕሊልካ ትበጣጠስ ማለት እንድዩ እዙይ ድማ እቲ ሐዚ ንሪኦ ዘለና ህውከት ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኮይኑ ኣብ ትግራይ እውን ኣብ ካሊእ እውን ዘይመፀሉ ምኽንያት የለን ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ክኸውን። ኣይመፅእን ዝበሃል ኣይሰርሕን። እንድሕር ህዝቢ ሰሚዕና፣ እንደሕር ተዓሪና ኣይመፅእን፤ እንተደኣ ዘየለ ግን ከምዚኣ ኢሉ ክሳብ መዓዝ ክፅመም ይኽእል? መስዋእቲ ድማ ከፊሉ እዩ አዚ ህዝቢ እዙይ ስቕ ኢሉ በግ እንዳበለ እምኒ ዝድርቢ ሓዊ ዘቃፅል ክኾን ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን። ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ዝበለ ክኾን ከምኡ ክገበር ታሪኻዊ ኣመፃፅእኡ ኣይፈቕደሉን። እዚ ውድብ ድማ ደሙ ዘወፈየሉ ንሃተይ ዝብሎ ውድብ ስለ ዝኾነ ‘ውን እዩ ስቕ ኢሉ ዝፅመሞ ዘሎ ኣሕሊፈ ዶ ክህቦ እንዳበለ እምበር ጥዒምዎ እውን ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ኦሮምያ ዶ ኣብ ጎንደር ዝበሃል ዘሎ ሕቶ ስለ ዘይብሎ ኩሉ ነገር ስለ ዝተመለሰሉ ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፅምኢ ማይ ይገድድ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ይገድድ። ሕቶ ስለ ዘይብሉ፣ ቅሬታ ስለዘይብሉ፣ ተቓውሞ ስለ ዘይብሉ ኣይኮነን። ብኢህን ሚህን ብመአረምታ ብመድረኽ ክፍታሕ ኣለዎ ስለ ዝብል እዩ። እዙይ ዘይኮነ እንተተሪፉ ግን፤ ህዝቢ ትግራይ እንተቐቢፁ እሞ ተተላዒሉ ግን ታይ ከም ዝገበር ብያታ ዘይኮነስ ብተግባር ንፈልጦ ኢና። ከመይ ሓጣጢጡ ክድርብየና ከም ዝኽእል ካባና ንላዕሊ ምስክር የለን። እዚኣ ዘይትተርፍ እያ። ስለዚ እዚኣ ክፈልጥ ኣለዎ እቲ መሪሕነት፣ እቲ ውድብ። ህዝቢ ትግራይ ሓያል ሓያል እዩ፤ ንኽንደይ ብሓይሎም ዝተመክሑ ዘተንፈሰ እዩ፤ ማንም ኣብ ቅድሚኡ ኣይዕበን ንብል ኣለና ካብ ተሞኩሮና፤ አዚኣ ኣይሰምዕን ዝበለ ይረኽባ፤ እምበር ህዝቢ ትግራይ እማ በበይ ገይሩ ከም ዝውፅእ ኣይትጠፍኦን። እቲ መንእሰይ ሙሁር ሐዚ ብፌስቦክ ብገለ ጥራይ ካብ ዘኸውን ብፎሮማት፣ ብሕጋዊ መንገዲ ብውዳብታት፣ ሃናፃይ ብዝኾነ መንገዲ ድፍረት ብዘለዎ መንገዲ ክቃለስ ኣለዎ። እቲ በዓል ሃፍቲ እውን ከምኣ። እዚኣ ምግባር እያ ነገር ናብ ሕማቕ ከይከደ መፍትሒ ክትኮን ትኽእል።

ውራይና፦ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ይኹን ብተፈላለዩ ሚድያታት ናይ ወልቃይት ሕቶ ይለዓል ንሰምዕ ኣለና፤ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንታይ ኢኻ ትብለና?

ኣባይ ፀሃየ፦ እቲ ኣብ ጎንደርየ ገለየ ዝሰዓል ዘሎ ካብቲ ህዝቢ ዝለዓል ዘሎ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ኣንፃር ትግራይ፣ ኣንፃር ህወሓት፣ ኣንፃር እቲ ስርዓት ደው ኣይበለን፤ እቲ ህዝቢ ከምኡ ስለ ዘይኮነ እዩ እወን ሰላማው ኮይኑ ዝተኻየደ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ምምሽዳር እቲ ውድብ ብኣዴን ስርሑ ኣይሰርሐን፣ ኣይመርሐን፣ ኣትሃነፀን፣ ኣይኣለየን፣ ኣየምሀረን…ባዕሉ ብኣዴን ገምጊሙ እዩ። እቲ ካሊእ ሽግር ናይ ግጨው ጉዳይ ዘይምፍትሑ ንህወሓት እውን ዝምልከት እዩ። ናይ ግጨው ን10 ዓመት ስቕኢልና እናተሓመምናዮ መፂኢና። ብግዜ ዘይምፍታሕና ናይ ግጨው ጉዳይ ኣጀንዳ ኮይኑ ክሰርሕሉ ዕድል ሂብናዮም ብዓልትና። ናይ ወልዋይት ግን ኣጀንዳ ኣይኮነን። ካብ ወልቃይት ዝኸዱ ኣብ ጎንደር ዘለው ዉሑዳት ምስ ትምክሕቲ ኮይኖም ዘልዕልዎ እዩ እምበር ፈፂሙ ናይ ህዝቢ ወልቃይት ሕቶ ኣይኮነን። ብኣዴን እውን ብማእኸላይ ኮሚቴ ደረጃ ወልቃይት ትግራይ እዩ፤ ናይ ምንነት ሕቶ ንሕና ኣይንኣምነሉን። ዘልዕልዎ ዘለው ቅሬታ ዘለዎም ሰባትን ሓይሊ ትምክሕትን እዮም ክንቃለሶም ኣለና ኢሎም ወሲኖም። ብውልቀ ሰብ ደረጃ ኣብ ናይ ብኣዴን ኣመራርሓ ስሚዒታት ዶ ይህሉ እወ ይህሉ ግን እዙይ ንሳቶም እውን ይቃለስዎ ንሕና እውን ንቃለሶ። ስለዚ እቲ ናይ ወልቃይት ብዙሕ ሽግር ኣይኮነን ክልተይና ‘ውን ኣፈላላይ ስለዘይብልና። እቲ ሽግር እታ ናይ ፀገዴ ናይ ግጨውን ካልኦት ፀገማት ናይቲ ውድብን ስለ ዘይተፈትሓ እየን እምበር ናይ ወልቃይት ሕቶ ኣይኮነን። ሐዚ እውን እታ ናይ ግጨው እንተፈቲሕናያ፤ ብኣዴን እውን ውድቡን መንግስቱን ገምጊሙ ምላሽ እንተሂቡ እሞ ንትምክሕቲ ካብቲ ህዝቢ ተነፂልናዮ መፍትሒኡ ሽዑ ይውዳእ፤ ምኽንያቱ ናይ ወልቃይት ኣጋጣሚ ዝተረኸበ ናይ ፖለቲካ መፃወቲ ደኣ እምበር ሕቶ ስለ ዘይኮነ። መሰረት ስለ ዘይብሉ በኒኑ ይጠፍእ።

ውራይና፦ እሞ ምንግስቲ ትግራይ ስቕ ድዩ ክብል ዘለዎ? እቲ ህዝቢ እኮ ገለ ነገር ዘይብሉ ይብል ኣሎ?

ኣባይ ፀሃየ፦ ዝርርብ ተገይሩ ኣሎ እንድዩ ብኣዴን ታይ ይግበር ህወሓት ታይ ይግበር ዝብል፤ ስለዚ ሐዚ ቀልጢፍና እታ ናይ ግጨው ንፍታሓያ ንሳ እያ እታ ሓንቲ ኣፈላላይ ኢያ ተባሂላ። ይትረፈኒ ይትረፈኒ ኢልኩም ፍትሕዎ ነገር እዩ እንዳወለደልና ዝኸድ ዘሎ ተባሂሎም እዮም። ነቐፅ ቅዋም ሒዝኩም ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ኣይተበሉ ተባሂሎም እዮም። ብኣዴን እዩ ህወሓት እዩ እናበልኩም ኣይተሳብቡ ፍትሕዎ ተባሂሉ ኣሎ ብኢህወደግ ደረጃ እሞ ኣብ ቀረባ ቁርፅ ዝበለ ነገር ክህሉ እዩ።

ውራይና፦ ብጣዕሚ ነኽብረካ ተጋዳላይ ኣባይ ግዜኻ ሰዊእኻ ንዝሃብካና ዝርዝር መብርሂ ብሽም መንበብቲ ብጣዕሚ የመስግን። ውራይና መድረኽ እውን እዩ እሞ ኣብ ካልኦት መድረኻት እውን ክንራኸብን ክትሕግዘናን ተስፋ ንገብር ክብረት ይሃበልና።

ኣባይ ፀሃየ፦ ኣነ እውን እቲ ትገብርዎ ዘለኹም ሃናፂ ስራሕ ይከታተሎ እየ ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ፤ ከምዚ ዝበለ እዩ ዘድለየና እሞ ብዝኸኣልናዮ ኣብ ጎንኹም ኣለና። ቀፅሊሉ ክብል ይደሊ።

**********

Wurayna Magazine

more recommended stories