ግርጭት ኢትዮ-ኤርትራ ድቀት `በር ናብራስ የብሉን

(ሕሩይ ነጋሲ)

ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝቕሓረ ርክብ ህዝብታት ወይ ሰባት ንኽሓዊ መፍትሒኡ እንትሕብር ከምዚ ይብል “ፀልማት ዝቕንጠጥ ብፀልማት እንተይኮነስ ብብርሃን ጥራሕ እዩ፣ ፅልኢት `ውን ዝበሊ ብፅልኢት እንተይኮነስ ብፍቕሪ ጥራሕ እዩ።” (“Darkness cannot drive out darkness: only light can do that. Hate cannot drive out hate: only love can do that.”)

እሞ እቲ ዛጊድ ንልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣቑፂሩ ዘሎ ጎንፂ ርክብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ካዓ ህዝብታት ትግራይ­ ትግርኝ ኣግኣዝያን መፍትሒ ክረክብ እንተኾይኑ ምኽሪ ማርቲን ሉተር ኪንግ እንትንፍፅም እዩ። እዚ መዕለቢ ዘይተረኽቦ ውግእ ክልቲኦም ህዝብታት ጠጠው ዘይብለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ኢልና ምስእንሓስብ ካብ ህልኽን ፅልእን ንላዕሊ እዙይ እዩ ዝብሃል ርትዓዊ ምኽንያት ንምቕማጥ ዝኸብድ ይመስል።

ውፅኢቱ ካዓ ንሪኦ ኣለና። ብኸምዚ እንተቐፂሉ ድማ ምንፃት ህዝብታት ትግራይ­ ትግርኝ ኣግኣዝያን ከኸትል እነተዘይኮይኑ፣ ካልእ ኸስቢ የብሉን። ማዓዝን ኣበየናይ ታሪኽ ዓለምን እሞ ምስዋር ሓዊ ሃልሃል እናበለ ካብ ዝያዳ ምቅፃል ሓሊፉ ሓዊ ከጥፍእ ሪኢና!

Photo - An Ethiopian soldier mans an observation post on the Eritrean border on 19 November 2005. [AFP - Marco Longari]
Photo – An Ethiopian soldier mans an observation post on the Eritrean border on 19 November 2005. [AFP – Marco Longari]

እቶም ኣብ ዶብ ዘለው መዋስንቲ ህዝብታት ብኹለ መዳያዊ ምዕባለ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጎድኡ እምበር እናማዕበሉ ክኸዱ ኣይረአናን። ብስእነት ውሕስነት ሰላም ምዕባለ ኢንቨስትመንት ከምቲ ዝድለ እናሰጎመ ኣይኮነን፤ ዳርጋ ተኾሊፉ እዩ። ብስራሕ ስእነት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኾነ ንደገ ንስደት መሪፁ።

ሎሚ ዶ ፅባሕ ውግእ ይላዓል እናበሉ ህዝብታት ርግኣት ስኢኖም፣ ንዕብይቱ መሰረት ክኾኑ ዝኽእሉ ንኽልቲኦም ህዝብታት ዘራኽቡ ዓበይቲ መንግስታዊ ኮነ ውልቃዊ መሰረት-ልምዓት ተኾሊፎም። ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክዛረበሉ፣ ዓለም ዝፈልጦ እዩ። እቲ ብኽልቲኡ ወገን በብግዚኡ ዝጠፍእ ዘሎ ሂወት ደቂ ሰባትን፣ ንወታደራዊ ሓይልታት ዝጠፍእ ዘሎ ገንዝብ ኣብ ልምዓት እንተዝውዕል ኔሩ፣ ድኽነት ንምስዓር ኣብ እንገብሮ ስዳሮ ክንደይ መሰጎመና።

እሞ እንታይ ድኣ እዩ መፍትሒ ስኢናሉ? ከም ዝፍለጥ ውግእ ዘላቒ መፍትሒ ሰላምን ፍቕርን ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ንሕና ብፍላይ አህዛብ ኣግኣዝያን ዝኾና ሃገርና ንእሽቶ፡ ህዝብና ውሑድ፣ መከራና ግዙፍ፤ ህልቂትና ብዙሕ ኮይኑ ከምዘሎ አይንረስዕ፡፡ ኣብ ግንባራት ዲሞክራሲ፤ ኣብ ግንባራት ነፃነት መን ከቢድ ህይወት ከም ዝኸፈለ፤ መን ህልቂት ከም ዝበፀሖ ኣይንረስዕ።

ናይ መን ክብርን መንነትን ድዩ ዝሓስር ዘሎ፤ መን ድዩ ኣብ በረኻታት ሲናይ ተዘርጊሑ ዝተርፍ ዘሎ? ገለ ብምኽንያት ማይ ጽምኢ፡ ገለ ብወቕዒ ጸሓይ፡ ዘስካሕክሕ አማውታ ሞይቶምስ ብሑጻ ተደፊኖም ዝተረፉ ዘለዉ በዓል መን ድዮም? ናይ መን ኣሻሓት ህይወት ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ከም ዝተረፈ ኣይንረሳዓዮ፡፡ ብኸምዚ እንኸዶን ዘጋጥመና ዘሎን እንተቐጺልና መወዳእትና ምፅኣት ትግራይ­ትግርኝ ኣግኣዝያን ክኸውን እዩ፡፡

ኣዶ ትግራይ፤ ኣዶ ኤርትራዊት (ነበር ትግራይ) ኣብ መመረቕታ መርዓን ደርዓን ደቃ፡ ጸጒራ ተቖኒና፡ ተሓኒናን ተዃሒላን፤ ብሓጎስ ወዛሕዛሕ ምበለት እምበር ጸጒራ ደርሚማ፤ መንጠለይና ሓዘን ተኸዲና ሬሳታት ደቃ ክትደሊ ድዩ ዝድለ ዘሎ? ዝቐበጸን ዝነቐጸን ከምዝበሃል፡ ዝቐበረስ እቐብጽ፤ ካብ ክትጸውየሉ ክትሰትሮ፣ ክትቀብሮ ይሓይሽ እኳ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ከምዘለና ኣይተሰማዓናን ድዩ? አረ ሞትን ጥፍኣትን ንዓና ጥራይ መን እዩ ሂቡና? ንመንስ ክነሐጉስ ኢና? ብምፃትና መን እዩ ዝኸስብ? መን እዩ ዝሕጎስ? ብኸመይስ መፍትሒ ድኣ ንስእነሉ?

እሞ ከምዚ እንተገበርና ኸ?

1. ሕቶ ባድመን ኣብ ካልኦት ዶባትን ዘሎ ምውጣጥ፤ ብህዝበ-ውሳነ ወይክዓ ብሽምግልና መዕልቦ እንትንገብረሉ። ህዝብታት ብዝደለይዎ፤ ኣብ ዝደለይዎ ክዳነዩ እንተንገብር። ወይክዓ ከም ካልኦት ዓድታት ዝገብርዎ እቲ ዘዋጥጥ ዶባት ከይትሓንፀፀ ምግዳፍ።

2. ምእንቲ ህዝቢ ክብሃል ካብ ምትሕልላኽን፤ ዕንደራ ውግእን ወፂእና ኣብ ልምዓትን ራህዋን፤ ኣብ ምክልኻል ህዝብን ሀገርን ምድሃብ፡፡ ብዘይ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍቓድ ናይ ሓደ ዓዲ ዶብ ጥሒስካ ሓይሊ ምጥቃም ብዓለም ሕጊ ዘሕትት እዩ፤ ውኢሉ ሓዲሩ ቑጠባዊ ፀቅጢ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ክውሰን ይኽእል እዩ፡፡ መፅናዕቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መደምደምታ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን፤ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ካብ ዓርሰ ምክልኻል ሓሊፍካ ናብ ውግእ እንድሕር ንኣቱ ሃሊና፤ ተፃብኦ ናይ ምኻን ዕድሉ ዓብዪ እዩ፡፡

3. እቲ ዘለናሉ ግዘ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምዕቡል ዘተ ዝጠልብ እዩ። ስለዚ ተኸታተላይ ዘተ ብሞንጎኛ ሀገራት፤ ብሽማግለ ዓዲ፤ ብዓበይቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፤ ብኽልቲኦም መንግስታት ምእንተ ህዝብን ወለዶን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባር የድሊ። እዚ ጎንፂ ንኽፍታሕ ናብ ክልቲኦም ሕዝብታት ይውረድ፤ ኽልቲኦም መንግስታት ንዳግም ዘተን ውሳነን ቕሩብ ይኹኑ።

ንህዝብን ንወለዶን ክንብል ናብ ልብናን ነብስናን እንተተመለስና ይሓይሽ፡፡ ይቕረ ምባል ፈጣሪ ዝፈቶ ተግባር እዩ፡፡ ሕዝብታት ኣይንበድል፤ ኣብ ኣፋፍ ሞት ኮይና ኣይንሕጠ፤ ንመፅኢ ወልዶ ንሕሰብ። ዝያዳ ሰላምን ራህዋን፤ ዝያዳ ልምዓትን ዕብየትን፤ ዝያዳ ሕውነትን ሓደ ልቢን ክመፅእ ዝኽእል ብፅልኢትን ብምትህልላኽን ዘይኮነስ ብሰላማዊ ቃልሲ፤ ብሕውነታዊ ምትሕስሳብን ሓሌትን ፍቕርን እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ከምዚ ይብል ኣለኹ፡፡ All time conflict and hate is either sickness or evilness. The present generation is not the cause of the past crimes and failures. It was rather the result of the short-sighted agreements between and faults of the past Shiwan kings and the Italian colonialists. At this point the present generation need to learn from the past failures and decide to walk in light of creative altruism; not to walk in the darkness of destructive selfishness. I wish everyone would discover the power of love and correct past failures.

ኣንቱም ሰባት ንጠፍእ ኣለና!! ንሕሰበሉ ድኣ እናበልኩ ንመራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፤ ከምኡ `ውን ንኣሕዋት ህዝብታት ምሕፀንታይ የቕርብ ፡፡ ሰሰናዩ ንዓኹም!

********

Guest Author

more recommended stories