ኣብ ኣውሮፓ፣ ሃገራት ኤሲያን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ዝተዘዋወርኩሉ እዋን ሓደ ነገር ተዓዚበ። ንሕሉፍ ታሪኾም ዘለዎም ተገዳስነት ልዑል ከም ዝኾነ ሪአ። ብምዃኑ ድማ ብዝተፈላለየ መገዲ ይዕቅቡዎን ይንከባኸቡዎን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፣ እቶም ጥንታዊያን ህንፃታት ውሽጦም ንናይ ሎሚ ሰብ ንኽጥዕም ለውጢ እንትገብሩሉ ደጊኡ ግና ምሕዳስ ተዘይኮይኑ ጥንታዊነቱ ከይቕየር ዝኽልክል ሕጊ ዘውጽኡ ሃገራት ብዝሓት እዮም። ከም ሓውልቲን ቕርፃ ቕርጽን ዃና ሓፁርን ዝመሰሉ ታሪኻዊ ሓድግታት ድማ ከይትንከፍን ንበፃሕቲን ነበርትን ብዝስሕብ መገዲ ጎሊሁ ንኽርአ ኸባቢኡ ዝጥዕም ገይሮም ይሰርሑዎ መገለጺ ጽሑፍውን ይገብሩሉ። በቢኸባቢኡ ዘለዉ ምምሕዳራት ድማ ታሪኻዊ ሓድግታቶም መዝጊቦም ይሕዙ ይንከባኸቡን።

ኣብ ከተማታት ዘለዉ ዓበይቲ ጎዳናታትን ሓፀረትን ጸበብቲን መገዲታትውን ታሪኽ ብዝሰርሑን ንሃገሮም ዝኾነ ዓይነት ኣስተዋጽኦ ብዝገበሩን ሰባት ሽም ይስየም እሞ ምእንታን ንፖስታ ኣገልግሎት ዝቐለለ ክኸውን ተሓሲቡሉ ኣፍቲ ጎዳና ዘለዋ ገዛውቲ ብቑፅሪ ይፈለዩወን። ንኣብነት ህዝቢ ስዊድን ብጥሜት ኣብዝሕለበሉ ዘበን፣ ናብ ስደትን ባርነትን ፋሕ ጭንግራሕ ኣብ ዘብለሉ ዘበነ ሓሪ ኣፍቲ ሃገር ዘይፍለጥ ዝነበረ ተኽሊ ድንች ካብ ካሊእ ዓዲ ኣምጺኡ ኣብ ሙሉእ ሃገር ዝዘርአ ዜጋ ንመዘከርትኡ ተባሂሉ ኣብ ዝበዝሑ ከተማታት ስዊድን መገዲ ብሽሙ ተሰይምሉ ይርከብ።

ዞም ሃገራት ንዕቀባ ታሪኽ ዘለዎም ተገዳስነት ብሕጊን ፖሊሲን ጥራይ ኣይኮነን ተሓፂሩ። ካብ ኣጸደ ህፃነት ጀሚሩ ዘለዉ ቖልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ናተወሰዱ ንኽሪኡዎ ይግበር። ኣብ ቤት ትምህርቲውን ብዝተፈላለየ ስልቲ (ኣብ መጽሓፍ፣ ኣብ መፃወቲ ዝውክል ምስሊ ብምግባር) ኣብ ኣእምሮኦም ክቕረጽ ይግበር። ብከምዚ ተኾስዂሶም ዝዓበዩ ህፃናት ፅባሕ ታሪኾም ዓቀብቲ ኮይኖም ይቕጽሉ። ስርዓተ ትምህርቶምን ኣሰራርሕኦምን ምዕቃብን ሓዱሽ ምውሳኽን እምበር ምፍራስን ምርሳዕን ኣየምህሩን። ኣብዚ ቐረባ እዋን ደዓሽ ዝተብሃለ ጉጀለ ሓረድቲ ሰብ ጥንታዊ ቕርሲታት ዒራቕን ሶሪያን ኣብዘፍርስሉ እዋን፣ ኣብ ማሊ ዝርከብ ትዋረግ ዝተብሃለ ጉጅለ ዝፈረሶ ጥንታዊ ሓድጊ ማሊ ምስተሰምዐ ብዙሓት ሙሁራን ጫውጫው ኣቢሉ ኣብ ዓለም ዙሪያ ዝርከባ መራኺቢ ሓፋሽውን ዕለታዊ መዛረቢ ጉዳይ ገይረንኦ ሓጊየን። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኻዊ ሓድግታት ዘሎ ጥቕሚን ኹርዓትን ዝለዓለ ግንዛበ ስለዘለዎም እዩ። ኣብ ዓድናባ ከመይ ኣለና?

ብመንግስቲን ብሓገዝ ውሑዳት ውልቀ በዓል ሃፍቲን ዝተጀመሩ ስራሕቲ እኳ እንተሃለዉ ምስ ጥንታዊነትናን ብዝሓት ሓድጊታትን እንትርኣ ገና ኣይሰራሕናን እየ ዝብል። ከም ናተይ እምነት ንታሪኽናን ባህልናን ቛንቋናን ዘለና ትኹረት ካብ ኣፍና ዝሓለፍ ኣይመስለነን። ንዛረብ ግን ኣይንሰርሐሉን፣ ብታሪኽናን እሴታትናን ንኾርዕ ንመስል ግን ብግብሪ ዘይናትና ናናፈቕና ንነብር ህዝቢ ኢና (ብፍላይ ብናይ ባዕዲ ቴሌቪዥንን ፊልምን ስነኣእምሮና ዝተሰለብና ነበርቲ ከተማ)። ንሕና ካፍቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ልምዲን ባህሊን ካልኦት ሃገራት ብኣንፃር ኢና ንኸይድ። ጥንታዊያን ሓድግታትና ብምፍራስ፣ ብምስራቕ፣ ብምርሳዕ እንተጎቢዝናውን ዝሰልጠና ናመሰለና መልክዕ ብምቕያር ዘይምስሎም ብምኽዳን ታሪኻዊነቶም ነህስሶም።

Photo - Yeha, Tigray, Ethiopia
Photo – Yeha, Tigray, Ethiopia

ጎደናታት ብዝምልከትውን ስም ንምስያም ዝምጥን ሰብ ዝተስኣነ ይመስል ዝብዝሑ ስም የብሎምን። ከተማታት ትግራይ ይዕበ ይንኣሳ፣ ይሕጸር ይንዋሕ፣ ይግፋሕ ይጽበብ ብዘየገድስ ኣብ ኩለን ዘሎ መገዲታት ተንድምሮ ልዕሊ 60 ሺሕ መገዲታት ከምዝህልወን ይኣምን። እሞ እዚኦም ብ60 ሽሕ ስዋኣት እንተዝስየሙ ስም ጀጋኑና ካብ መጽሓፍ ዝስንዶ ንላዕሊ ምተተኸለ፣ ህዝቢውን ምተሓጎሰን ምኾርዐን፣ ታሪኽ ናብ ሓዱሽ ወለዶ ንምሕላፍን ዝቐለለ ምስርሕ ምኾነ። ጎደና ሓየሎም 1, 2, 3 – 40፣ ጎደና ብርሽዋ 1, 2, 3 – 60፣ ጎደና ማንጁር 1, 2, 3 – 35 ወዘተ ናበልካ ዶ ኣይምተሰየመን። ንፖስታ ኣገልግሎትን ንሰብ ክተመላኽትውን እኮ ዝቐለለ እዩ ዝገብሮ። ብዚኣ ገይርካ ኸይድካ ንጸጋም ተዓጺፍካ ዳሕራይ ንየማንካ ዘላ ሓንቲ ዓባይ ኦም ሕልፍ ኢላ ዘላ ቖጽለውይቲ ማዕጾ ናበልና ከም መመላኸቲ ንጠቀመሉ ልምዲ ገዲፍና ናብ ስሩዕ ኣጠቓቕማ ንኣቱ ስራሕውን ይቐልል። ብስሩባ እታ ዓባይ ኦም ተተቖረጸትኸ! … እቲ ቖጽለዋይ ማዕጾውን ቐይሕ ተተላኸየኸ…!

እዚ ዝሓስብ ብዓል መዚ ተሳኢኑስ ኣብ ርእሰ ከተማና ዝርከቡ ጎዳናታት (ብጀካ ውሑዳት) ሰብ ብዘይጥቀመሉ ቑጽሪታት ተሰየሞም ኣለው። ብስሩባ ሕደጉ ዝብል ሰብ ዶ ተስኣነ… ወይስ ኣነ እየ ጌጋ ዝሓስብ ዘለኹ? ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ብሓፋሻ መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝገልጹ ነገራት ሓደሽደሽ ናበሉን ኣብ ሕብረተሰብና መሰረት ዘይብሎም ባዕዳዊ ነገራት ናተወረሩ ባህልን ታሪኽን ክዕቅብ ዝተጣየሽ ቢሮ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ዶ ኣይነበረን?

ብመስርሕ ፍልጠትን ትምህርቲን ኣቢልካ ታሪኽ ምዕቃብውን ሽንኳን ንህፃናት ንዓበይቲውን ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን። ካብ ታሕቲ ጀሚሩ መሰረት ስለዘይሓዝና ድማ ምስ ዓበና ካብ ናይ ባዕልና ታሪኽ ናይ ካልኦት የህርፈና ንኻልኦት ክንመስል ድማ ንጽዕር ግን ኣይሳኻዕን ድማ። ሓደ ፃዕዳ ሂቡዎ ዝተብሃለ ርኢቶ ሕልና ንዘለዎ ዓብዪ ሙህሮ እዩ። ‘’ብጣዕሚ ዝገርም ታሪኽን ሓድግታትን ባህልን ዘለኩም ህዝቢታት ኢኹም ግና እዚ ኹሉ ኣጥፊእኩም ንኻልኦት ህዝቢታት ክትመስሉ ትፍትኑ ከምዘለኹም ተዓዚበ። እዚ ጌጋ እዩ። ናብዚ ዘምጸእና ፍሉይ ነገር ክንርኢ እምበር ንዓድናን ባህልናን ዝመስል ክንርኢ ኣይኮነን እሞ እዚ ጽቡቕ ባህልኹምን እሴታትኩምን ተንከባኸቡዎ’’ ኢሉ ከምተዛረበ ሓደ እዋን ኣንበብኩ። ሓቁ እዩ። እሞ ድማ ካብ መነባብሮና ዘይቕይር ሐሕማቑ ልምዲ ምውሳድ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ መነባብሮና ዝቕይሩ ነገራት፣ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ፣ ሕጊን ወዲ ሰብ ምኽባርን ደኣ ከምቲ ካሊእ ብቕልጡፍ ዘይንወስድ።

ኣብ ዓዲ ዝዕቀብ ታሪኽ ዘይሰኣነ ወለዶ ኣብ ፍርያቱ ናይ ፓሪስ ኣይፍል ታወር ናይ ኣሜሪካ ናይ ነፃነት ሓወልቲ ወዘተ ይሕትም (ንኣብነት ኣብ ሃገርና ዝሕተም ደፍተር ሪኤ ነይረ)። ሆቴላት፣ ቤት ብልዒ፣ መደብራት፣ ድኩናታ ምንም ዓይነት ታሪኻዊ ርክብ ካብ ዘይብሎም ከተማታት ባዕዳዊ ሃገራት ሽም ተለቂሑ ይልጥፍ። 46 ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሽማት ሒዙ ንግዲ ፍቓድ ከውጽእ ዝኸደ ኢትዮጵያዊ በዓል ሃፍቲ ኩሉም ሓሪዩ ዘቕረቦም ሽማት ተቐባልነት ኣይረኸቡን። ናይ ወፃኢ ሽም ሒዙ ምስከደ ፈቒዶምሉ (ፍልፍል- ዛሚ ራድዮ) ዝብል ክስምዕ እንተለኻ ኣተሓሳስባና ክንደይ ድኹም ምዃኑን ኣንፈት ከምዝሰሓትናን ዘርኢ እዩ።

ኣብ ቛንቋ ኣጠቓቕማ መጺእኻውን ዝገደደ እዩ። ሙሁር እየ በሃላይ ድማ እንሊዝኛ ተይሓውስ ምዝራብ ዘይተምሃረ ስለዝመስሎ ብኣፍ መፍቲሒ ቛንቛ ፍልጠቱ ክገልጽ ድሌትን ዓቕሚን የብሉን። ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ዘለዉውን ናይዚ ሕማም እዚ ተኻፈልቲ እዮም። ኣብ ቴሌቪዥን ራዲዮን ሃገርና ቕልቅል በሉ እሞ እንግሊዝኛ ንምሕዋስ ላሕ ክብሉ ክትሰምዑዎም። ናቱ ዝኾነ ነገር ከምድሑር ናይ ካልኦት ከምስልጡን ገይሩ ዝርኢ ወለዶ። ክንደይ ኢልና ክንቖጽር!

ከምዚ ዓይነት ውሽጡ ዘይርኢ ደገ ጠማቲ ወለዶ ሒዝካ ታሪኽካን እሴታትካን ንምዕቃብ ከመይ ኢልካ ይሕሰብ፣ ኣሸጋሪ እዩ። እዚ ኹሉ ግን ንምንታይ ኢልካ ተሓትቲካ ካብ ሙሁርን ዘይሙሁርን እንታይ ኣለዎ እሞ ዘበነ ግሎባላይዜሽን እንድዩ ዝብል ፍልጠት ዝወሓዶ መልሲ ትረክብ። እንታይ እዩ ግሎባሊዘድ ዝኸውን ዘሎ ምርዳእ ከድሊ እዩ እዚ ኣርስቲ ግን ካሊእ እዩ።

ኣብ ሃገርና ስነኣእምርኡ ዝተሰረቐ ሕብረተሰብ ዝመርሖ እንታይነቱ ዘይፍለጥ ባህላዊ ምዕባለ ኣብ መስርሕ ኣሎ። ንርእሱ ኣጥፊኡ ክለምዕ ዝደሊ ከተመታይ ሕብረተሰብ ንኸውን ኣለና። ኣብ ታሪኽናን ታሪኻዊ ሓድግታትናን ተገዳስነትና ትሑት እዩ። ስለዚህ ዝምልከቶም ኣካላት ሕብረተስብን መንግስቲዊ ትካላትን ብፍላይ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ቢሮ፣ ባህልን ቱሪዝምን ምምሕዳር ከተማታትናን እዚ ኣንፈት ናይ ምትሓዝን ሓላፍነት ዝስምዖ ወለዶ ናይ ምቕራጽን መሪሕ ግዲኦም ክፃወቱ ናይ ግድን ምዃኑ ክርድኡ ኣለዎም።

ዋ ሰናይ መዓልቲ

***********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories