ልዕልና ሕጊ ምርግጋፅን ተሓታትነት ምህላውን … ?

ምዕራባዊያን እቲ ሀዚ ዘለዎም ስርዓት ንምህናፅ ዝበቕዑሉ ቐንዲ ምክንያት ዝጸሓፍዎ ሕጊን ስርዓትን ናብ ግብሪ ስለዝተርጎሙ ጥራይ እዩ። እዚ ማለት ካብ ተራ ዜጋ እስካብ መራሒ ሃገር ኣብ ዝወዓልሉ ማዕረ ተሓተትቲ ብምግባርን ናይ ሕጊ ልዕልና ብምርግጋፅን እዩ። ኣብ ቐረባ ዓመታት ስራሕ ናበዝሐና ብዝብል ዒባራ ምኽንያት ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ዝቖፀሩ ሰለስተ ሚኒስትራት ሀገራ ስዊድን ብናይ ውልቀ ጋዜጣ ምስተጋለፁ ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ጉዳይ መርሚሮምዎ ሓቂ ኾይኑ ተረኺቡ። ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ምቑፃር ባሪያ ምውናን ማለት እዩ ዘስምዕ ናይዛ ሃገር ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ቐሪቦም ኣሚኖም ካብ ስልጣኖም ወሪዶም። ኣብዚ ቐረባውን ንሓላዊኣ ዘይኽፈሎ ደሞዝ ከምዝኽፈሎ ኣምሲላ ዝፈረመት ናይዛ ሃገር ሚኒስተር ካብ ስርሓ ንኽትለቅቕ ተገዲዳ እያ።

ኣብ ብዙሓት ምዕራባዊያን ሃገራት ዘለዉ ዓበይቲን ኣናእሸትይን ሹመኛታት ብሓላፍነት ዝመርሑዎ ቤት ፅሕፈት መንግስቲን ናይ ውልቀ ትካላትን ፋብሪካታትን ኣብ ጥፍኣት ኣብ ዝርከብ እዋን ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ወጺኦም ይቕሬታ ብምሕታት ካብ ሓላፍነቶም ዝወርድሉ/ዝለቅሉ ኩነታት ምርኣይ ልሙድ እዩ። ተራ ዜጋታት እውን ካብ ናይ እግረኛ፣ ብሽክለታን መኪና መገዲ ምኽባር ጀሚሩ እስካብ ኣብ ዝሰርሕሉ ቦታ ዘሎ ሕጊ ንኸይጥሕሱ ዝከኣሎም ይፍትኑ። ትሕተ ዕድመ ዝኾኑ ካብ ዱካንን እንዳ መስተን ቢራን ሽጋራን ንምግዛእ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን በዓል ዱካን ምእንቲ ዕዳግኡ ኢሉ ኣይሸይጥን። መለለዪ መንነቶም ብምርኣይ ዕድሚኦም ተዘይኣረጋጊፅም ኣይሸጡሎምን። ሕጊ ኣብ ዝጠሓስ እዋን ፈፂሙ ዘይሕለፍ ጉዳይ ይኸውን።

ዘይምዕዳል ኮይኑ ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም መንግስቲን ኣብዚ ኣይበፃሕናን። ሹመኛ ኣብ ሓደ ርኡይ ጥፍኣት ይፍፅም ሓጥ እንተበለ ናብ ካሊእ ሓላፍነት ይዛወር። ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስለዘየለ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ካብ ምፍፃም ዝእግዶ ነገር የለን። ነብሶም ይምሓሮም ኣቦይ ዜናዊ ኣስረስ ኣብ ሓደ ወረዳ ምስራቑ ዝተረጋገፀን ህዝቢ ዘበሳበሰን ሹመኛ ኣብ ክንዲ ንቤት ፍርዲ ናብ ካሊእ ወረዳ ወሲድካ ዝሽየመሉ ዓዲ ኢና ዘለና” ክብሉ ኣብ ሕምቀት ስርዓትና ዘለዎም መረረት ምግላፆም ይዝከር። ሓቆም እዮም ነይሮም። ኣብዚ ቐረባ ካብ መንግስቲ ከምዝሰማዕናዮ ድማ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኮይኑ ንቤት ፍርዲ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ብሕጊ መኽበርቲ ፍቓድ ተዋሂቡዎ መኪና ናዘውረ (ተዘይፈቕድሉ ኣይምዘወረን) ሰብ ገጪዩ/ቐቲሉ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ተባሂሉ። ድርብ ጥሕሰት ሕጊ! እዚ ኣብ ትግራይን ኣብ መላእ ሃገርን ብተደጋጋሚ ንሪኦ ሓቂ እዩ።

ካሊእስ ይትረፍዋ ብዓቢይኡ ደቂ ጋምቤላ ዜጋታትና ካብ ጎረቤት ሃገር ብዝመጽኡ ጎሳ ልዕሊ 200 ክቕተሉ ልዕሊ 100 ድማ ክጭወዩ እንተለዉ ሓላፍነት ዝወሰደ ሓደ ኣካል ኣይሰማዕናን። መንግስቲውን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ኣሎ ኣይበለናን። በቢኸባቢኡ ዝፍፀሙ ጥፍኣታትን ናይ ሕጊ ጥሕሰትን ኣመልኪቱ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል የለን። ዕድለኛ እንተኾይኑ ናብ ዜና ይወጽእ ሓደ ሰሙን ይዝረበሉ ፣ እቲ ዜና ኣብ ዝበዝሕ ኣብ መንግስቲ ፀቕቲ ይፈጥር፣ መንግስቲውን ኣብ ክንዲ ሓላፍነት ምስካም ሓላፍነቱ ናብ ካሊእ ኣካላት የሕልፍ ወይ ድማ ልሙድ ማስተባቢያ ይህብ ድሕሪኡ Business as usual ይቕፅል።

ገለ ንጋምቤላን ኸባቢኡን ዘይፈልጡ የዋሃት ወገናትና “እሞ መንግስቲ በቢኪሎሜትሩ ወታደር ዘይተቐመጠ ድዩ?” ክብሉ በተደጋጋሚ ኣብዚ ማሕበራዊ ሚዲያታት ኣንቢበ ነይረ። እቲ ክስመረሉ ዘለዎ ጉዳይ ጋምቤላን ኸባቢኡን ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ብዝፍልፍል ሽግር ንነዊሕ እዋን ኣብ ናይ ፀጥታ ቕልውላው ዝፀንሐን ዘሎን ክልል እዩ። ብስሩውን ሃገራዊ ስግኣት ዝኸውን ኩነታት ዘለዎ ኸባቢ እዩ። ብምዃኑ ድማ ካብ ክልል እስካብ ፌደራል ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካትላ (ናይ ፀጥታን፣ ፖሊስን፣ መከላከያን ካልኦትን) ንቲ ኣፍቲ ክልልን ኸባቢኡን ዘሎ ኩነታት ዝምጥን ስራሕ ክሰርሑ ነይሩዎም። ዝምጥን ስራሕ ስለዘይሰርሑ ግና ናይ ደገ ሓይሊታት ምስ ሙሉእ ዕጥቆምን ሰራዊቶምን ዶብ ጢሒሶም ኣብ ውሽጢ ሃገርና ነዊሕ ብምእታው ብዋጋ ዘይግመት ጥፍኣት ኣጥፊኦም ከይዶም። ንዚ ኢና ተሓታቲ ኣካል ክህሉ ኣለዎ ንብል ዘለና።

እወ ሓቂ እዩ ልዕልና ሕጊን ተሓታቲነትን ኣብ ሃገርና ዘይምህላዉ እቲ ቐንዲ ሽግር ድሕረ ባይታ ሕብረተሰብናን ሒዝናዮ ንጉዓዝ ዘለና ድሑር ዝንባለታትን ክኸውን እንተሎ፣ እቲ መንግስቲን መንግስታዊ መሓውራት ዝቆፃፀር ሓይሊን ድማ ካፍቲ ድሕረት እዚ ነፃ ዘይኮነ ሓይሊ ስለዝኾነ ናይ ሕጊ ልዕልና ካብ ኣፍ ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዓቐበት ኮይኑዎ ንርኢ። ሓደ ሓደ እዋን ስጉምቲ ኣይውሰድን ማለት ኣይኮነን። ግን ከም ባህሊ ንምስራፅ ኣይተኽኣለን። መንግስቲን ሹመኛታቱን በቢደረጅኡ ዘለዎም ስልጣን ተጠቒሞም ልዕልና ሕጊ ኣብ ዘይኽብርሉን ጥፍኣት ኣብ ዝፍፅሙሉን ኩነታት ኮይንካ ድማ ተራ ዜጋታት ሕጊ ከኽብሩ እዮም ኢልካ ኣይትፅበን። ከምዚ ኢልካ ድማ ንዜጋታት ዝምቹ ስርዓት ዘለዋ ሃገር ምምስራት ስለዘይከኣል ሕላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ መንግስቲ እዚ ጉዳይ ካብ ዝኾነ ኣጀንዳ ንላዕሊ ሪኡ ናብ ተግባራዊነት ክኣቱ ኣለዎ።

ልዕልና ሕጊን ተሓታቲነትን ዘይብሉ ስርዓት ንቕድሚት ክስጉም ይሽገር እዩ። ልዕልና ሕጊን ተሓታቲነትን ኣብ ዝህሉ ድማ ብስልጣን ምብዕላግ ትርጉም ብዘለዎ መጠን ይቕንስ፣ ክራይ ኣካብነትን ግዕዝይናን ቦታ ይስእን፣ ግልፅነት ይነግስ፣ መንግስቲ ዝሓዞም ናይ ልምዓት ኣጀንዳታት ይሰልጡ፣ ህዝቢ ዝደሊዮ ስርዓትን ልምዓትን ይገሃድ፣ ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብ ሃገርና ሰላምን ርግዓት ይፍጠር። ኣብዚ እንተበፂሕና ድማ ካብ ደገ ዝመፅእ ስግኣት ይቕንስ፣ ተሰማዒነት ሃገርና ይውስኽ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ቀረባን ሩሑቕን ዘለዉ ሃገራታን ህዝቢታትን ክብሪ ዘለዋን እጃማ ትገብርን ሃገር ንውንን።

ልዕልና ሕጊን ተሓታቲነትን ብዘይ ስልጣን ኣፈላላይ ይንገስ!

ሰናይ ትምኒት ንሃገረይ!

*********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories