ኣሃዱ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትግራይ ዝምልከት ብዙሕ ዛዕባታት ኣልዒልና ብዘይ ምንም ስኽፍታ ዘቲና ኢና። ገለ ጉዳያት፣ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ውድባት ኣባላት ኢህወደግ ዘሎ ርክብን ንሶም ዝመርሑወን ክልላትን ኣመልኪቱ ምዝራብ ግና ዳርጋ ንብዙሕ ቕኑዕ ሰብ ዘሰክፍ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ንምታይ’ሲ ኣብ ሞንጎ እዞም ዝተጠቐሱ ውድባትን ደገፍቶምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዝፈጥሩ ፍልልያት ከይህሉዉ እሞ ኣድላይ ናብ ዘይኮነ ፍሕፍሕ ከይእቶ ክበሃል ’’ምእንቲ እታ ሞጎጎ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ’’ ናተብሃል ብዙሕ  ነገራት ብወዝቢ ይሕለፍ ፀኒሑ እዩ። ሎሚ ግና ተሰኪፍካ ዘይሕለፉ ጉዳያት ዓመት ዓመት የጋጥሙ ንርኢ ኣለና። ከምዚኦም ዝበሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣጋጢሞም’ውን ክንዛረቦ’ዶ ወይስ ብኻልኦት ተንበልቢሉ ዝገደደ ኣሉታዊ ውፅኢት ከየስዕብ ምእንታን ሱቕ ክንብል? እናበልና ልቢ እንተዕበና፤ ጊዜ ይሓልፍ እሞ ካሊእ ሓዱሽ ጉዳይ ናተውሰኾ ክኸይድ ነስተብህል። ርኢኻ ከምዘይራኣኻ ምሕላፍ ድማ ትዕግስትን ምስትውዓልን’ኳ እንተኾነ ነቶም ብኣንፃሩ ዘለዉ  ገለ ኣማራፂ ጥፍኣት ሃሰው ዝብሉ ሓይልታት ዕድል’ውን ስለዝኸፍት ፤ እቲ ጉዳይ ምልዓሉ ዝምረጽ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና ንርከብ። እቲ ዝተፈጠረ ነገር’ውን ህዝብን መንግስቲን ስለዝፈለጦ ተዛሪብካ ናብ ዘተን ፍታሕን ምምዕዳው ይበልፅ ብምባል ሎሚ ክንልዕሎ ተገዲድና ኣለና።

እዚ ፅሑፍ ኣብ ሰሜን ጎንደር (መዋሰኒ ምዕራብ ትግራይ) ብተደጋጋሚ ዝጋጥሙ ዘለዉ ኩነታት ይምልከት። ኣብዚ ፅሑፍ ዘሎ መረዳእታ ገሊኡ ኣፍቲ ከባቢ ካብ ዝነብሩ ውልቀ ሰባት ብምሕታት ብሩሕቕ ዝተኣከበ፣ ገሊኡ ካብ መንግስታዊ ሰነዳት፣ ገሊኡ ድማ ካብ መራከቢ ሓፋሽ እንትኸውን ገለ ነቲ ኩነታት ኣቲሒቱ ወይ ድማ ኣጋኒኑ ዝገልጽ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግና መንግስቲ ግልጽነት ኣብዘይለሉ ኩነታት ነገራት ንኢሶም ወይ ድማ ተጋኒኖም እንተተገሊጾም ክገርመና ኣይግብኣን። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ኩነታት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ምዃኑ ምርዳእ ዘድሊ ኮይኑ፤ ምእንታን በቶም ኣንፃር ትግራይ ጠጠው ዝበሉ ሓይሊታት ብዙሕ ክወዓዋዕ ዝፀንሐን/ዘሎን ናይ መሬት ተወረርና መገፋዕታ እንታይ ከምዝመስል ክንርኢ፤  ነዚ ኣርእስቲ ዝምልከቱ ታሪኻዊ ሰነዳትን ወግዓዊ መረዳእታትን ኣብ ረብሓ ዊዒሎም ኣለዉ።

ዕላማታት እዚ ፅሑፍ እዚ ሰለስተ እዮም። 1) ኣብ ዶባት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ዶባት ሰሜን ጎንደር ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ምፍንቓልን ጠመተን ፍታሕን ክግበረሉ ንምፅዋዕ። 2) ብዛዕባ ሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ዶባት ትግራይን ህዝባን ንምድህሳስን። 3) ኣፍቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣገዳሲነቱ እናዓበየ ይመፅእ ከምዘሎ ንምትሕስሳብ እዩ። እዚ ፅሑፍ እዚ ብዘይካ ኣለሻ ዘላቒ ፍትሒ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ ክንገልፅ ንደሊ።

ኣብ ቋራ ብዛዕባ ወልቃይት

ፅንፈኛታት ሓይሊ ትምክሕትን ፀረ ህዝቢ ትግራይን ካብ ውድቀት ደርጊ ጀሚሩ መሬት ወልቃይት (ብሓፈሽኡ ምዕራብ ትግራይ) ብትግራይ ተወሲዱና ክብሉ ፀኒሖም። ሎሚ’ውን ቀጺሎም ኣለዉ። እዚ ክሲ እዚ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ፣ ብመራኸቢ ሓፋሽ፣ ብመርበብ ሓበሬታ፣ ብድራማን ደርፊታትን ገይሮም ደጋጊሞም ክገልጹ ሰሚዕና ንሰምዕውን ኣለና። ሎሚታት ድማ፤ እዚ ቕድም ክብል ዝገበር ዝነበረ ናይ ፀግዓ ፀግዒ ፀለመን ጎስጓስን ኣካይድኡ ቐይሩ፤ ሰለይ እናበለ ናይ ማእኸል ሰደቓ መጺኡ ኣሎ። ኣብ ቐረባ እዋን ወልቃይት ኣመልኪቱ ሓደ ዝተዘርግሐ ናይ 15 ደቓቕይ ንውሓት ዘለዎ ቪዲዮ ርኢና ነይርና። እዚ ቪዲዮ ክልተ ደቓይቕ ምስከደ ቐጺሉ ዘሎ 13 ደቓይቕ ክልተ ሰባት መደረ ዘስምዑሉ ናይ ኢትዮጵያን ብኣዴንን ባንዴራ ዝተዘርገሐሉ መድረኽ ኮይኑ ይርአ። እዚ ኣብ ቐረባ እዋን (2008 ዓ.ም.) ኣብ ቋራ፣ሽንፋ ዝተገበረ ህዝባዊ ኣኼብ ከምዝኾነ ድማ ኣፍቲ ቪዲዮ ዝዛረብ ኣታላይ ዛፌ ዝተብሃለ ሰብ የረጋግፅ። እቲ ቪዲዮ ምስረኣና ናብቶም ከባቢታት ብምድዋል ናይቶም ሰባት መንነትን ኣብ መሬት ዘሎ ኩነታትን ሓበሬታ ክንረክብ ፈቲና እንሆ ክምቲ ዝስዕብ ኣሕፂርና ኣቕሪብናዮ ኣለና።

ከምዝረኸብናዮ ሓበሬታ እንተኾይኑ፤ ኣብቲ ቪዲዮ መጀመርታ ዝዛረቡ ሰባት ተወለድቲ ወልቃይት ኮይኖም ሓደ እዋን ኣብ ከባቢ ወልቃይት ሑመራ ዝነብሩ ዝነበሩን፤ ሕዚ ግን ኣብ ጎንደር ከባቢ ዝንቀሳቐሱን ምኳኖም የረጋግፅ። ነዞም ሰባት ዝድግፉን ዘተሓባብሩን ሹመኛታት ሰሜን ጎንደርን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ደቂ እቲ ከባቢ ከምዘለዉ’ውን ተነጊሩና። ኣብ ትካላት ጥረት( ትካል እግሪ ምትካል ኣምሓራ) ዝሰርሑ ገለ ውልቀ ሰባት’ውን ኣብቲ ምንቅስቓስ ኢዶም ከምዝሓወሱ ሰሚዕና። ምፅራይ ድሕረ ባይታ ናይቶም ሰባት ዘድለየሉ ምኽንያት እቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ዓቕምን ትርጉምን ንምርዳእ እንተሓገዘ ኢልና እምበር፤ ከም ውልቀ ሰባት ባዕሎም’ውን ግልፂ ዝኾነ ቪዲዮ ብምዝርጋሕ መንነቶምን ትሕዝቶ ምንቅስቓሶምን ኣይሓብኡን። እንተኾነ ግና ካብቲ ናይቶም ወልቀሰባት ንላዕሊ ዘተሓሳስብ እቲ ተግባር ዝፍጸመሉ ዘሎ ኣገባብ ስለዝኾነ ኣብኡ ክነትኩር መሪጽና።

ትሕዝቶን ሓዱሽ ኣካይዳ መስፋሕፋሕትን

እዞም ክልተ ውልቀ ሰባት ንህዝቢ ቋራ ብምእካብ ”ህዝቢ ወልቃይት ብሄሩ ኣምሓራ እናሃለወ መሬቱ ተጋሩ ስለዝደለዩዎ ጥራይ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ተገዲዱ ትግራዋይ ኮይኑ ይነብር ኣሎ” ይብሉ። ብናቶም ኣገላልፃ፣ ”ንሕና ህዝቢ ወልቃይት ኣምሓሩ ኢና፣ ተጋሩ ኣይኮናን” ብምባል ህዝቢ ጎንደርን ብኣዴንን ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ወልቃይት ንክስለፉ ይፅውዑ። እዚ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ ኣብ ኩሎም ወረዳታት ጎንደር ተንቀሳቒሶም ንህዝቢ ከምዘረድኡ’ውን ገሊጾም። ንሱ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። እስካብ ሕዚ ንኣብያተ ፅሕፈታት ብኣዴን፣ ኢህወደግን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ጉዳዮም ከምዘቕረቡ’ውን ግልፂ ገይሮም።

እዚ ምንቅስቓስ ህዝብን መንግስቲን ፈሊጡዎስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማ ሑመራ ህዝባዊ ኣኼባ ከምተኻየደ ብድምጺ ወያነን’ውን ተይተረፈ ተፀብጺቡ እዩ። እቶም ናይ መንነት ሕቶን መሬትን ዝሓቱ ዘለዉ ሓይሊታት ንህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ንምጥባር ብዝተፈላለየ መገዲ ጎስጓስ ከምዝካይዱን ነቲ ህዝቢ ናብ ኣምሓራ ክልል ተኸሊልካ ኢኻ፣ መሰረተ ልምዓት ንኽስርሐልካ ምስ ኣምሓራ ክልል ተረዳዲእና ኢና፣ ኣብዚ ጉዳይ ንነጥፍ ዘለና ሕጋዊ ስልዝኾና ኢና፣ ሕጋዊያን ተዘይንኸውን ምኣሰሩና ነይሮም ወዘተ ናበሉ ነቲ ህዝቢ የበራብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እዚ ንምግባር መዓልታዊ 250 ብር ናተኸፈሎም ዝንቀሳቐሱ ምዃኖም’ውን ኣፍቲ ኣኼባ ተገሊጹ እዩ።

ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ’ውን መንነት ናይቶም ዑሱባት ህዝቢ ፈሊጡስ ኣብቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ መንገዲ መርጊጺኡ ግልፂ ገይሩ ኣሎ። ንሕና ነገደ ኣግኣዚያን ብሄረ ተግራይ ምዃና ታሪኽና ኣፃፊፍና ንፈልጥ ህዝቢ ኢና። ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ትግራዋይነቱ ንዕዳጋ ዘይቐርብ ፤ ብስሩ’ውን ብቑንጣር ዕሱባት ዝድለል ወይም ዝሽየጥ ህዝቢ ኣይኮነን። ትማሊ ትግራዋይ፤ ሎሚ ትግራዋይ ፅባሕ ትግራዋይ እዩ። ሕቶ መንነቱ ብመሪር ቓልሱን መስዋእቱን ከምዘረጋገፀ ግልፂ ብምግባር መንግስትን ውድብን እስካብ ሕዚ ዘርኣዩዎ ትዕግስቲ ብምንኣድ፤ ካብዚ ንላዕሊ ንቐፃሊ ምትዅቷኽ ዝፀውር እንግዳዕ ስለዘይህሉ ስለዘየለ ግን ዝገደደ ሽግር ከይተመዘዘ፤ ብእዋኑ ኣድላዪ ዝኾነ ስጉምቲታት ክውሰድ ከምዘለዎ መተሓሳሰቢ ከምተውሃበ ብድምጺ ወያነን EBCን ዝቐረበ ፀብፃብ ሰሚዕና።

ብርግፅ ኣብዚ ትሕዝቶ ናይ መንነት  ኣጀንዳ ኣገዳስንቱን ክውነነቱን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝቢ ወልቃይት፣ ፀገዴ፣ ቃፍታን ሑመራን መርገጺኡ ግልጺ ስለዝገበረ፤ እዞም ዑሱባት ክሳኸዐሎም ማለት ዘበት እዩ። ዘተሓሳስበና ዘሎ ግና እዚ ዘይኮነስ ናይዞም ዑሱባት ምንቅስቓስ ብኸመይን ኣብ ከመይ ዓይነት ወድዓዊ ኩነታትን ይፍጸም ከምዘሎ ምርኣይ ኣዚዩ ኣገዳሲን ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ጉዳይ ስለዝኾነ እዩ።

ከምቲ ዝተገለጸ፤ እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ወልቃይት ብዝተበታተነ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን ህዝቢ እናኣከብካ ከምዚሳለጥ ግልጺ እዩ። ነቲ ኣብ ወልቃይትን ከባቢኡን ብዝተበታተነ መልክዕ ዝገበሩዎ ምንቅስቓስ መንግስታዊ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ምንም ስለዘይብልዎም፤ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ንሕና እንፈርሓሉ ንሶም ዝደፍሩሉ እዋን መፂኡ ኣሎ ክብል ገሊጹዎ እዩ። ብዝምልከቶም መግስታዊ ኣካላት ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ስለዘይተወሰደ ድማ፤ ሓሙሽተ ወርሒ ሙሉእ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ኣብ ርእሲ ናይ ምትእጉጓል ኣዝማምያ ምርኣዩ፤ ንቐፃሊ ሰላም ንምዝራግውን ዕድል ከፊቱሎም እዩ ክብል ህዝቢ ገሊጹ። ኣብ ኣምሓራ ክልል ግን ካብዚ ብዝተፈለየ መልክዕ ብዝተወደበን ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባን ናተኻየድ እዩ እቲ ምንቅስቓስ ተሳሊጡ። እቲ ዘተሓሳስብ ድማ ንሱ እዩ።

ክንድዚ ዝኣክል ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ቋራ እንተተሳልጡ፤ እንተነኣሰ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ ካብኡ ሓሊፉውን ክልል ኣምሓራ ዘማሓድር ዘሎ ብኣዴን ኣፍልጦ ኣይሃቦን ኢልካ  ምሕሳብ፤ ኣሸበሸብ ፖለቲካዊ ግርህነት ጥራይ እዩ ክኸውን። እሞ እዚ እንታይ ማለት ይኸውን? ብኣዴን ኣይሰማዕናን ዝብል ዒባራ ምኽንያት ከየቕርቡ’ውን እቲ ኣኼባ ምስተኻየደ እዞም ክልተ ውልቀ ሰባት ባዕሎም ቪዲዮ ብምውዳድ ብመርበብ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ከምዝዘርግሑዎ ይፍለጥ። በቶም መንበደበድቲ ሓዊ ዝኾኑ ድምፂ ራዲዮ ኣመሪካ’ውን (መደብ ኣምሓርኛ) ከምቲ ልሙድ ኣዋዓዊዖምሎም። እሞ ሽዑኸ ብኣዴን ኣብ ቋራ ንዘሎ ምምሕዳር እንታይ በሉዎ? እቲ ኣኼባ ብዘይ ኣፍልጦ ብኣዴን ከምዘይተሳለጠ እቲ ከይዲ ባዕሉ ግልጺ ገይሩዎ ኣሎ። እሞ ብኣዴን ነዚ መልሶም እንታይ ምኾነ?

እቶም ሰባት ሕቶ ምልዓልን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን መሰሎም እዩ። እንተኾነ ግና ዘልዓሉዎ ሕቶ ተዃሳሕን እንተገደደውን ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ጣልቃ ኣእታውነት ዝሓትትን እንዳሃለወ፤ ናይ ሓደ ክልል ውሽጣዊ ጉዳይ ንምንታይ ኣብ ካልእ ክልል ንምትእንጋድ ተደሊዩ? እዞም ክልተ ውልቀ ሰባት ዝገበሩዎ ናይ ኣድሕኑናን ’’ውፈር ተበገስን’’ ፃዊዒት ብቐጥታ ንብኣዴንን ህዝቢ ጎንደርን እዩ ነይሩ። እሞ ብኣዴን ከምዚ ዓይነት ባንዴርኦም ዝተዘርገሐሉ ኵናት ዝዕድም ህዝባዊ ምልዕዓልን ፃዊዒትን ምላሾም እንታይ ይኸውን? ከምዚ ዓይነት ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝግበረሉ’ኸ፤ ህወሓት ንዝምልከቶም ብዕሊ ክሓትት ዶ ኣይምተገበኦን? ካብ ናብቶም ትርፍራፍ  ዝሓለፉ ክልተ ስርዓታት ኢድካ  ምውጥዋጥ፤  ነዚ ምንቅስቓስ ኣብ ክልሎም ዝፈቐዱ መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ብግልጺ ዘይሕተት እንታይ እዩ ሕግብግብ ዘብል?

ብኣዴን ከም ውድብን ከም ኣመሓደሪ ክልል ኣምሓራን ነዚ ኩነታት ዝምጥን ግልጺ ዝኾነ ምልሽ እንተዘይሂቦምሉ፤ ጥርጣርና ቐፃልን እናሰፍሐ ዝኸይድን ከምዝኸውን ክርድኡ ይግባእ። እዚ ጉዳይ ካብ ናይ ውልቀ ሰባት ምንቅስቓስ ንላዕሊ ገይርና ክንሓስብን ከምዚ ልዕል ኢልና ኣቕሪብናዮም ዘለና ሕቶትታት ክነልዕልን ዘገደደና ብቑዕ ምኽንያታት ኣለውና። እምበኣርከስ እቲ ኩነታት ከይንዛረበሉ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ኣሰኪፉና እምበር፤ ኣብቲ ከባቢ ካብዚ ዝገደደ ዘተሓሳስብ ነገር’ውን ክፍፀም ፀኒሑ እዩ። እሞ እቲ ጉዳይ ክንደየናይ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ንምግማት ክጥዕመናስ፤ እስቲ ኣብ ቐረባ እዋናት ዘጋጠሙ ነገራት ክንርኢ ንፈትን፤

ኣገደስቲ ፍፃመታትን ርኢቶናን

፩ይ፡- ካፍቲ ከባቢ ብቐጥታ ከምዝሰማዕናዮ ዓሚ ኣብ ኣብርሃ ጅራ ከተማ ዓብዲራፍዕን ከባቢኡን (ተጋሩ ብብዝሓት ዝነብሩሉ ክልል ኣምሓራ) ዝነብሩ ተጋሩ ብግፍዒ ንብረቶም ተመንጢሎም ካብቲ ከባቢ ተሰጒጎም ተባሂሉ ብሰፊሑ ተነጊሩ እዩ። ተምሃሮውን ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጎም ሎሚ ኣብ ሑመራን ከባቢኣን መንግስቲ ክልል ትግራይ የምህሮም ከምዘሎ ኣረጋጊፅና። እዚ ክፍፀም ንቲ ክልል ዝመርሕ ዘሎ ብኣዴን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝበሎን ዝሃቦን ፍታሕ የለን። ክልልና’ውን ንቲ ጉዳይ ዓልዒሉ ምስ ዝምልከቶም ተዘራሪቡ ዶ ኣይተዘራረበን ዝፍለጥ ነገር የለን።

፪ይ፡- ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መተማን ከባቢኡን ኣብ ሞንጎ ቅማንትን ብሄር ኣምሓራን ዝተወልዐ ግጭት ናይ ሰብን ሂወትን ኪሳራ ኣስዒቡ ኣብ ቑፅፅር ዊዒሉ ተባሂሉ። ኣቦ ወንበር ብኣዴን ደመቀ መኮነን፣ ኣዲሱ ለገሰ፣ ካሣ ተክለብርሃን ገዱ ኣንዳርጋቸውን ሓዊሱ፤ ካልኦት መማሓደርቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍቲ ቦታ ብምርካብ ዑደት ገይሮም፣ ምስ ህዝቢ ኣኼባታት’ውን ኣካይዶም፣ ጊዚያዊ ሰላም ብምፍጣር ነቲ ቐንዲ ሽግር ግን ኣብ ከይዲ ዝፍትሐሉ ፃዕርታት ከም ዝግበር ቃል ክኣትዉ ብEBC ተመሓላሊፉ።

እዚ ዝንኣድ ኮይኑ ኣብዚ ዝተፈጠረ ሓደገኛ ግጭት ኣብ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ኣምሓራን ቅማንትን ደኣ ይኹን እምበር፤ ኣብ መተማን ከባቢኡን ዝነብሩ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ተጋሩ ዘቕነዐ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ’ውን ከም ተፈፀመ ብናይ ወፃኢ መራኸቢ ሓፋሽ ተነጊሩ እዩ። እዞም ንፁሃት ዜጋታት ንብረቶም ተቓጺሉ፣ ተዘሪፎምን ተፈናቒሎምን ናብ 400 ዝኾኑ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ብፌደራል ፖሊስ ኣብ ዝሕሎ ካምፕ ተዓቚቦም ዘይጭበጥ ፍታሕ ይፅበዩ ከምዝነበሩን እቶም ዝተረፉ ድማ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ብኣንደበት እቶም ግዳያት  ኣብ VOA ክፍሊ ትግርኛ ሰሚዕናዮ።

እዚ ናይ ብሄር ኣምሓራን ቅማንትን ተባሂሉ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ግጭት ምስተሰምዐ፤ ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ሰሜን ጎንደር ሓደ ጉጅለ ከምዝለኣኸ ዳሕራይ ገሊጹ። ይኹን’ምበር ኣብቲ ብሰበ ስልጣናት ብኣዴን ዝተሳለጠ ህዝባዊ ኣኼባታት እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጽሐ ግፍዒ ከም ጉዳይ ፈጺሙ ኣይተልዓለን። ብመራኸቢ ሓፋሽ’ውን ኣይተመሓላለፈን። ንሚኒስተር ካሣ ተ/ብርሃን ሓዊሱ እስካብ ሕዚ ዝተሓተቱ ሰበ ስልጣናት’ውን እቲ ግጭት ኣብ ቅማንትን ብሄር ኣምሓራን ጥራይ ከም ዝኾነ ገይሮም ብጥንቃቐ ዘሊሎምዎ እዮም። እዚ ኣብ ተጋሩ ዝብጸሐን ዝበጽሕ ዘሎን ግፍዒን ጥሕሰት ሕጊን ንምንታይ ድፈን ድፈን ከምዝተመርፀ ኣይርድአናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብኣዴን ዘለና ጥርጣረ ክውስኽ ገይሩና እዩ።

ሓደ ክስመረሉ ዝግባእ መትከል ኣሎ። ንሱውን ክልላዊ ምምሕዳር ኣምሓራ ኣብ ክልሎም ዝነብር ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ማዕረ እቲ ወዲ ክልል፤ ፍትሕን ሰላምን ከሕልዉሉ፤ ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነት ዘግድዶም ምዃኑ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነቶም ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ እንተሓበሩሎም ሰማዒ እዝኒ ከምዝሰኣኑ እቶም ግዳያት ብኣንደበቶም ይገልፁ። እዚ እንታይ ክንብሎ? ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ዝኾኑ ኣብ ቤንሻንጉልን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያን በገለ ሰበ ስልጣን እቶም ከባቢታት ኮነ ተባሂሉ ግፍዒዕን ምፍንቓልን በጺሑዎም ተባሂሉ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ (ፓርላማ) ኣጀንዳ ኮይኑ ተደጋጋሚ ተዘሪቡሎምስ እቶም በደል ዘብፅሑ’ውን ማኣሰርቲ ተይተረፈ ከምዝተፈረዶም ዝረአናሉ ፍፃመ ነዊሕ ጊዜ ኣይኮነን።

እዚ’ኸ ኣብ ፓርላማ ከም ጉዳይ ተራእዩ ክዝረበሉ ክንደይ በዝሒ ዘለዎ ትግራዋይ እዩ ክፈናቐል ዘለዎ? ንሕድሕድ ሚኢቲ ሽሕ ትግራዋይ ወኪልና ኣብ ፖርላማ ዘቐመጥናዮም  ወከልቲ’ኸ እዙይ ዘይተዛረቡ ታይ ክገብሩ ተቐሚጦም? ዘተሓትት አዩ። እቲ ሓቂ ኣብቶም ጎንፂ ዝተሓወሶም ደኣ ንዛረብ ኣለና እምበር ’’ውፃእ ኣይትበሎ ከምዝወጽእ ግበሮ’’ ብዝብል ኣካይዳ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት  ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ እንድዮም ሓደ ብሓደ ካብቲ መዋእሎም ዝነበሩሉ ከባቢታት ለቒቖም ክወጽኡ ዝተገደዱ። እተን ልዕል ኢለን ዝተጠቐሳ ቦታታት ዝተኸለልኦ ናብ ኣምሓራ ክልል ድኣ ይኹን እምበር ብዝሒ ነበርተን ተወለድቲ ብሄር ትግራይ እዮም። እዚ ኩነታት ዘይፈተወዎ ኣመሓደርቲ ዴሞግራፊያዊ ትሕዝቶ ናይተን ከባቢታት ንምቕያር ብምሕሳብ ኣብ ልዕሊ ተጋርሩ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት እናፈጠሩ ከምዝፀንሑን ብዙይ ምኽንያት’ውን ብዙሓት ተጋሩ ካብተን ቦታታት ብሰላሕታ ክፈናቐሉ ከምተገበረ ይግለጽ ፀኒሑ እዩ።

፫ይ፡- ኣብ ፀገዴን ወልቃይትን ዘለዉ መዋሰንቲ ጣቢያታትውን ብትግራይ ገፅ ዘለዉ ሓረስትቶት ዱኽዒ (መዳበሪያ)ብገንዘብ እንትወስዱ፣ ብፀገዴ (ክልል ኣምሓራ)ዘለዉ ግና ብነፃ ይዕደሉ ከምዘለዉ ይንገር። ነዚ ንምርኣይ’ውን ሓደ በዓል መዚ ክልል ትግራይ ናብቲ ከባቢ ከይዱ ከምዝነበረ ክነፃሪዮ ዘይከኣልና ሓበሬታ ረኺብና። እሞ ንወልቃይት ዝሓቱ ወይ ድማ ክሸጡ ዝዋገዩ መስፋሕፋሕቲ ስለዘለዉስ ኣብ ጎረባብቲ ጣቢያታት ናይ ነፃ ዱኽዒ ብምዕዳልን (እንተተዓዲሉስ) ብኣንፃራዊ ዝሓሸ ሰናይ ምምሕዳር ብምትካልን ነቲ ብትግራይ ዘሎ ህዝቢ ልቡ ንምሽፋት ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እዩ ክብሉ እዚ ሓበሬታ ዘቐበሉና ግዱሳት ወገናት ይገልጹ። እዚ ፍልይ ዝበለ ምንቅስቓስ ኣብ ከባቢ ቆቦ ወሰናት ትግራይውን ከምዝፍፀም ይንገር። እዚ ምስቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ብቶም ዕሱባት ዝንዛሕ ባዶ ተስፋን (ዝበለጸ ልምዓት ክነምፀአልካ ምስ ክልል ኣምሓራ ተዘራሪብና ወዲእና ኢና ወዘተ) ምስቲ ኣብ መዋስንቲ ዘለዉ መማሓደርቲ ክልል ኣምሓራ ይሕግዙዎም ኣለዉ ዝብል ወረ ኣብ ንግምግምን እቲ ብኽልቲኡ ጫፋት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ዝተበሃለ ህዝቢ ናይ ምድላል ተግባር ሓቂ እዩ ኢልና እንተኣመና ዝገርም ኣይኮነን።

ኣብዚ ጉዳይ ክንብሎ ንደሊ እንተሊዩ፣ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ወሰናወሰን ዘሎ ህዝብና ኣብ ማዕዶ ብዘሎ (እንተሊኡ?) ብተዛማዲ ዝሓሸ ምሕደራን ኢኮኖሚያዊ ረብሓን እንተተፀለወ ኣይፍረዶን። ብስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን መሪሪዎም ናብ ካሊእ ክልል ዘይኮነስ ሃገር ዝቐየሩ ህዝብታት’ውን ከምዘለዉ ይፍለጥ እዩ እሞ ምእንቲ ጎረቤት ክልል ኢልካ ዘይኮነስ ምእንቲ ግቡእ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክበሃል ሰናይ ምሕደራን ልምዓትን ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ ምዃኑ ክስመረሉ ኣለዎ። እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ እቲ ብጎረቤት ክልል ይግበር  ዝበሃል ዘሎ ተግባር ዕላምኡ ነቲ ዘመሓድሩዎ ህዝቢ ተረባሒ ንምግባር እስካብ ዝኾነ ሽግር ዘለዎ ኣይኮነን። ናይ ጎረቤት ህዝቢ ንምድላል ተሓሲቡ ዝግበር ዘሎ ተኾይኑ ግና ዘይሕጋዊን ካብ መሓዛ ውድብ ዘይትፀበዮ ዘይቕኑዕ ተግባርን ምዃኑ ክንገልጽ ንፎቱ።

፬ይ፡- ኣብ መበል 35 ዓመት በዓል ምስረታ ብኣዴን ዘርኣዮዎ ዘይልሙድ ናይ ጒሒላነት ባህሪ ህዝቢ ደብረ ታቦር ሓዊሱ ንብዙሕ ሰብ መዛረቢ ኮይኑ ዝቐነየ ጉዳይ እዩ። ኣብቲ በዓል ወርሒ ሙሉእ ዝግበር ዝነበረ ቕጥፈት ብጌጋ ኣይነበረን። ብኣዴን ታሪኽ ዕጥቃዊ ቓልሶም ወርሒ ምሉእ እንትትርኹ ህወሓት ሽማ’ውን ክፅውዕዋ ከምዘይደለዩ ኣብቲ ብቴሌብዥኖም ዘማሓላለፉዎ ዶክመንተሪ ግልጺ ገይሮም። ብኣዴን ኣብቲ ብህወሓት ተሓንፂጹን ተመሪሑን ዝተኻየደ ”ወፍሪ ሰላም ብቓልሲ” ድሕሪ ምስረታ ስሙር ግንባር ውሑድ ሰራዊቶም ንመጀመርታ ግዘ ምስ ህወሓት ዝሰለፍሉ ምዃኑ ናተፈለጠ፤ ቁሩብ ሕንኽ እንተይበሉ ካብ ኣላጀ እስካብ ሰሜን ወሎ ዝተገበሩ ከበድትን ወሰንቲን ውግኣት   ከም ናቶም ገይሮም ተሪኾምልና። እሞ ይውሓድ ይብዛሕ ዝትረኽ ናይ በይኖም ናይ ጀግንነት ታሪኽ እናሃለዎም።

ከምቲ ብመራኸቢ ሓፋሽ ዝቐረበ እዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ደብረ ታቦር’ውን ንመራሕቲ ብኣዴን ኣብ ቅድሚ ጠ/ሚ ሃ/ማሪያም ደሳለኝ፣ ምክትሉ ደመቀ መኮነንን ጀ/ል ሳሞራን ዝመሰሎ ነቐፌታ ኣቕሪቡ ንህወሓትን ተጋደልቱን ድማ ጅግነንቶም ብዘረባን ፈኸራን ገይሩ ኣስሚዑ እዩ። ”እኛ በጣም ቅር ብሎናል ለምን የህወሓቶች ስም ኣልጠራቹሁም የመሰርቱዋቹ፣ ያሳደጉዋቹሁ፣ የመሩዋቹሁ እዚ ተራራ የቀበርናቸው ስንት የህወሓት ጀግኖች እያሉ” ክብሉ ንብኣዴን ብግልጺ ነቒፎምዎም። ጀ/ል ሳሞራን’ውን ነቲ ኣብ ብኣዴን ዝቐረበ ነቐፌታ ንጎድኒ ብምግዳፍ ብናይ ለባማት ኣንደበት ብዛዕባ ጀግንነት ህዝቢ ደብረ ታቦር ሓፂር ዘረባ ኣስሚዑ።

እሞ እቲ ብኣዴን ዘርእዩዎ ዘለዉ ዘይመትከላዊ ባህሪ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቶም ዝተጠቐሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፀሑ ዘለዉ ግፍዒታት ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ እዩ እንተበልና ኣይፍረደናን። እንታይ ንምርካብ እዩ ግን? ዕብደት ተዘይኮይኑ ብኣዴን እዚ ዘየዋፅኦም ሕማቕ ተግባር ከምዝኾነ ክስሕቱዎ ኣይምተገበአን። እዚኦምን ከምዚኦምን ዝበሉ ሓደሽቲ ባህሪያት ከይኣኽሉ ሎሚ ድማ ምስ ትምክሕተኛታትን መስፋሕፋሕቲን ምውጋኖም ገሪሙና ኣሎ። ንምዃኑ እዞም መስፋሕፋሕቲ እንታይ ዝመስል ግዝኣት እዩ ብትግራይ ተወሲዱዎም ኣብዚኩሉ ኣውያትን ፀለመን ተዋፊሮም ዘለዉ? እዚ ብዙሕ ዘየማትእ ታሪኻዊ ጭብጢ ዝሓዘ መልሲ ኣለዎ።

ግዝኣተ መሬት ትግራይ ቐደምን ኣብዚ እዋንን?

ሕዚ ዘሎ ወለዶ ሳላ ብእንግድዑ ዘረጋገፃ ናፅነቱ ፤ መዓል ኣቦታቱ ፈቲሹ ካብ ምርካብ ዝቐሎ ነገር የለን። መዓል ኣቦታቱ ድማ ኣይጋገን። ብመሰረቱ ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር ንኽትፍጠር ዝገበረ እምነ ሰረት ዝወደቐ፤ ኣብ ኣክሱም ብተጋሩ እዩ። እዚ ከም ንቡር ግዝኣቱ በቲ ከባቢ ጀሚሩ ናብ ኩሉ ኣንፈት እናሰፍሓ ዝኸይድ ዝነበረ ስርወ መንግስቲ እዩ ነይሩ። ትግራይ እናተብሃለ ዝጽዋእ ክፋል ኣኽሱማዊ ግዝኣት ድማ ብዙሕ ኸባብታት ናይ ሎሚ ጎንደር፣ ዓፋር፣ ኤርትራን ቐይሕ ባሕሪን ይሓውስ  ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ የረድኡ። ንኣብነት Manoel Barradas ዝተብሃለ ኣብ 1624 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ይነብር ዝነበረ ፖርቹጋላዊ ልኡኽ ኣብ Tractatus Tres Historico-Geographici (1634) ዝብል መጽሓፉ ኣብቲ ዘበን ዝነበረ ናይ ትግራይ ካርታ ከምቲ ዝስዕብ ኣቒሚጡዎ ኣሎ::

Map - Tigrai in 1624
ፍልፍል፣ The Institute of Development and Education for Africa (IDEA)

ትግራይ ካብዚ ሕዚ ዘላቶ ኣርብዕተ ዕፅፊ ኣርብዕተ ዕፅፊ ትዓቢ ከምዝነበረት መዛግብቲ ታሪኽ ይምስክሩ። እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ባራዳስ ዝተብሃለ ፖርቹጓላዊ ስፍሓትን ዶባትን ትግራይ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ:

“Among all the kingdoms that the Emperor of Ethiopia possesses today one of the greatest and most important is the Kingdom of Tygre. From north to south, that is from the limits of the Amacens [ሓማሴን ] to Enderta, it covers an area of from ninety to one hundred leagues; and from east, which is beside Dancali [ዓፋር], located at the entrance to the southern end of the Red Sea, to the west, bounded by the Tacasse [ተከዘ ] River beside the Semen, it covers an area of similar size, so that the kingdom has a nearly circular shape; unless we wish to extend it, some maintain should be done, as far as Lamalmon mountain range [ሊማሊሞ ተራራ]…” (IDEA Staff, 10/13/2004).

ካብዚ ከምንርድኦ ህዝቢ ትግራይ ሽንኳን ናይማቱ መሬት ክወስድ ታሪኻዊ ግዝኣቱ ዝነበሩ ቦታታት’ውን ዘይምለሰ ህዝቢ ምዃኑ እዚ ካርታ ሓደ ጭቡጥ መረዳእታ እዩ። እስካብ መወዳእታ 1930ታት እኳስ ዶብ ትግራይ ኣለውሃ ምላሽ ነይሩስ ንወሎ ከምተውሃበ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ዘበን ዝነበሩ ገዛእቲ ሸዋ፣ ብፍላይ ኣብ ዘበን ሃፀይ ሚኒሊክን ሃፀይ ሃይለሥላሴን፣ ትግራይ ንምድኻም ክብሉ ብሰሜን፣ ብምብራቕ፣ ብምዕራብን ደቡብን ኣንፈት ዝነበረ ታሪኻዊ ግዝኣቱን ህዝቡን ብዘይፍቓዱ እናቖረሱ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር ጥልያን፣ “ጠቕላይ ግዝኣታት” ጎንደርን ወሎን ክሕወስ ኣገዲዶምዎ እዮም። ኣብዚ መንግስቲ እንተኾነ’ውን መዋእሎም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ከባቢታት ብቲ ሓዱሽ ሕገመንግስቲ መሰረት ናብ ካልኦት ክልላት ቐሊል ዘይበሃል ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ተመላሊአን ብምኻደን ነባር ግዝኣት ትግራይ ኣይተመለሰን። ይኹን ደኣምበር ኣብቶም ዝተወሰዱ ግዝኣታት ዝነብር ህዝቢ መብዛሕትኡ ቋንቋ ትግርኛ ከምዘይቀየረ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እዩ።

ዋና ኣራሚ መርበብ ሓበሬታ Horn Affairs ዳኒኤል ብርሃነ: “Reality-Check: Tigray Annexed Amara Land” ኣብዝብል ጽሑፉ ኣብ ደርግ እዋን በመንግስቲ ዝተሓተመ መጽሓፍን ካልኦት መረዳእታትን ተጠቒሙ ንዙይ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ሓቂ የረጋግፅ። ደርግ ኣብ 1971 ዓ.ም ዘውጽኦ ‘Class Struggle and the Problem in Eritrea’, ዝብል መጽሓፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ገፁ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቤሄራትን መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጥኦምን ዝገልጽ ካርታ ከምዚ ዝስዕብ ኣቐሚጡዎ ይርከብ:

Map - Nationalities in northern Ethiopia in 1990s
Map – Nationalities in northern Ethiopia in 1990s

 ኣብዚ ካርታ ኣብ ቑጽሪ 2 ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ዝነበረሎም ከባቢታት ኢትዮጵያን (ኤርትራ ሓዊሱ) ተመልኪቱ ኣሎ። እምብኣርከስ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታ ሰሜን ጎንደር’ውን (ፀገዴ/ጠገዴን ፀ/ጠለምትን ኣብርሃ ጅራዓብድራፍዕን ከባቢኡን) ብቑጽሪ ዓብላላይ ከምዝኾነ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝምጽአ ትምክሕተኛ ወታሃደራዊ መንግስቲውን ኣይከሕዶን።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ’ውን እንተኾነ ኣብቲ ካርታ ዝርአ ዘሎ ሓቂ ኣይተቐየረን። ንኣብነት ኣብ ምዕራብ ትግራይን ዘለዋ ወረዳታት ኣመልኪቱ ማእከላዊ ስታቲስቲክስ ኣጀንሲ ኢትዮጵያ ኣብ 1994 ዓ.ም ዘካየዶ ቖጸራ ህዝቢ ከምዝስዕብ ኣቐሚጡዎ ኣሎ:

Wereda Kefta Humera Tsilemti Welkait Tsegede
All persons 48,690 97,630 90,186 59,846
Tigraway* 41,999 87,012 87,099 45,532
Amhara 3,800 10,382 2,734 14,226

[ፍልፍል:ካብ Central Statistics Agency – CSA Tables 2.12 & 2.15(pdf) 1994 ዓ.ም , ካብ Horn Affairs ዝተወሰደ]

እዚ ልዕል ኢሉ ቐሪቡ ዘሎ መረዳእታ ወረዳታት ወልቃይት፣ ቃፍታ ሑመራ፣ ፀለምቲን ፀገዴን ዝብዝሕ ህዝበን ትግርኛ ተዘራባይ ከምዝኾነ የረጋግፅ። ሎሚውን እንተኾነ ወልቃይት ኮነ ብሓፈሽኡ ምዕራባዊ ትግራይ 92.28 ሚእታዊ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ዝነብሮ እንትኸውን 6.48 ሚኢታዊ ድማ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ምዃኖም ኣብ 2007 ዓ.ም ብማዕከላዊ ስታቲስቲክስ ኤጀንሲ ዝተገበረ ቖጸራ ህዝቢ የረጋግፅ

እቲ ሓቂ እዚ ብምዃኑ ድማ ውሑድ ቑጽሪ ዘለዎም ኣብ ወልቃይት ዝነብሩ ብሄር ኣምሓራ ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ውልቀ ሰባት ወይውን ጉጀለታት ብዋኒኖም ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ መንነት ክቕይሩን ክስፋፍሑን ብትምክሕቲ ትወጢሮም ቖላን ደጉዓን እንትረግፁ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ኣይግበኣን።  ብስሩውን ንሶም ደገፍቶምን ዝኣተውዎ ዓዘቕቲ ዘይኸውን ሕልሚ ምዃኑ ክፈልጡ፤ ብውሕሉል ኣገባብ ክንገሮም ይግባእ። ከምዚ ዓይነት ኣብ ህዝቢታት ቕርሕንቲ ዝፈጥር ነገር ኣብ ቅርዓቱ እናተሳለጠ ሱቕ ኢሉ ዝርኢ ወይ ድማ ዝፈቐደ ብኣዴን’ውን፤ ግልጺ ተነጊሩዎ ግልጺ ዝኸነ መርገጺኡ ምፍላጥ የድሊ ንብል። እቲ ኣብ ክልሎም ዝግበር ዘሎ ግልጺ ዝኾነ ጥሕሰት ሕገመንግስቲ ምዃኑ ክበርሀሎምን ተደናጊሩ ዝብልዎ እንተልዩ ድማ ከብርሁን ይግባእ።

ኣፈፃፅማ ሕገመንግስቲ

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ዝተመስረተት ሓዳስ ኢትዮጵያ እቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽግር (ብዋናነት ብሄራዊ ወፅዓ) ንምፍታሕ ዘኽእል ሓዱሽ ሕገ መግስቲ ተቐሪጹ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ፀዲቑ። ኣብዚ መንግስቲ ኢህወደግ ካብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ዝተፈለየ ኣራእያን ፖለቲካዊ መትከልን ብምሓዝ ኣካልላ ብጎቦታትን ሩባታትን ዘይኮነስ ሃገር ማለት ህዝቢ እዩ ዝብል ጠንካራ መርገጺ ወሲዱ ብሄርን ቋንቋን መሰረት ብምግባር ክልላት ክምስረታ ተገይሩ። ብዙይ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስት ኣንቀጽ 39 መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብታትን ብሄር ብሄረ ሰባትን ኣመልኪቱ ካብ ዝተፅሓፉ ገሊኦም ከምዝስዕብ ይብሉ:

ቑጽሪ 1 ማንኛውም የኢትዮጵያ ብሔር ብሔረሰብ ሕዝብ የራሱን ዕድል በራሱ የመወሰን እስከመገንጠል ያለው መብቱ በማናቸውም መልኩ ያለ ገደብ የተጠበቀ ነው።

ቑጽሪ 3ማንኛውም የኢትዮጵያ ብሔር ብሔረሰብ ሕዝብ ራሱን የማስተዳደር ሙሉ መብት አለው። ይህ መብት ብሔሩ ብሔረሰቡ ሕዝቡ በሰፈረበት መልክዓ ምድር ራሱን የሚያስተዳድርበት መንግሥታዊ ተቋማት የማቋቋም እንዲሁም በክልልና በፌዴራል አስተዳደሮች ውስጥ ሚዛናዊ ውክልና የማግኘት መብትን ያጠቃልላል።

ቑጽሪ 5በዚህ ሕገ መንግሥት ውስጥ «ብሔር ብሔረሰብ ሕዝብ» ማለት ከዚህ ቀጥሎ የተገለጸውን ባህርይ የሚያሳይ ማኅበረሰብ ነው። ሰፋ ያለ የጋራ ጠባይ የሚያንጸባርቅ ባሕል ወይም ተመሳሳይ ልምዶች ያላቸው፣ ሊግባቡት የሚችሉበት የጋራ ቋንቋ ያላቸው የጋራ ወይም የተዛመደ ሕልውና አለን ብለው የሚያምኑ የሥነ ልቦና አንድነት ያላቸውና በአብዛኛው በተያያዘ መልክዓ ምድር የሚኖሩ ናቸው።

እዚ ልዕሊ ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ብፍላይ ኣብ ቑ- 3 ብግብሪ ዘየተፈፀመሎም ወረዳታት ከምዘለዉ ግልፂ እዩ። ዓብላላይ ቑጽሪ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ዘለዎም ኸባቢታት ናብ ሰሜን ጎንደርን ናብ ዓፋርን ከምተኸለላ ማእከላዊ ስታቲስቲክስ ኣጀንሲ ዘውጽኦ መረዳእታን እቲ ናይ ደርጊ ካርታን ምርኣይ እኹል እዩ። ካሊእ ገዲፍና እዘን ዝተጠቐሳ ኸባቢታት፣ ንኣብነት ኣብ ኣምሓራ ክልል ኣብርሃ ጅራዓብድራፍዕን ኸባቢኡን፣ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ሽኸትን ኸባቢኡን ኣብ ንርኢኳስ ነዚ ሓቂ የረጋግፃልና።

ካሊእ ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ሳንጃ ወረዳ ከተማ ዓብድራፍዕ ዝተገበረ ቖፀራ 1137 ኣምሓርኛ ተዛራቢ ህዝቢ እንትኸውን ትግርኛ ተዛራባይ ግን 2047 እዩ ነይሩ (CSA Tables 2.14 1994 ዓ.ም)። ብቖጸራ ተረጋጊጹ ንምኽላል’ውን ምችው እናሃለወ ናብ ዘይመስሎ ክልል እዩ ተቖሪጹ ተሪፉ። ድሕሪ ውድቀት ደርግ ክልላት ከም ብሓዱሽ እንትኽለላ ብጎቦታትን ሩባታትን ዘይኮነስ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ናይ ኢህወደግ መርገጺ ኣብ ዓብድራፍዕን ገለ ገለ ከባቢትታት ወልቃይት ፀገዴን ኣይሰርሐን። እዛ ከተማ ብስሩ’ውን ንሑመራ ዋላ ካብ ዳንሻ ትቐርብ ናሃለወት ሰገር ሩባ ኣንገረብ ስለትርከብ ጥራይ ምስ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝባ ናብ ክልል ኣምሓራ ተኸሊላ ትርከብ። እዚ ናይ ኢህወደግ እምነት ጥራይ ኣይኮነን ጥሒሱ። ኣብ ኣንቀጽ 39 ቑ፡3 “ማንኛውም የኢትዮጵያ ብሔር ፣ ብሔረሰብ ፣ ሕዝብ ራሱን የማስተዳደር ሙሉ መብት አለው።” ዝብል ሕጊ’ውን ብግልጺ ጥሒሱ ይርከብ።

እሞ ናብ ትግራይ ምኽላል እንተተረፈስ ኣብ ኣምሓራ ክልል ንኦሮምኛ ተዛረብቲ ‘’ኦርምያ ዞን’’ ተባሂሉ ከምዝተውሃቦም ዓይነት መሰል ዓርሲ ምምሕዳር ክወሃቦም ዶ ኣይምተገበአን? ክንዲዚ ዝኣክል በዝሒ ህዝቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ይኹን ዝነብርሉ ወረዳታት በቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቕዶ ውክልና ከም ዘይብሉ’ውን ርዱእ እዩ። ንዙይ እውን እዩ ኣያ ዘይብሉ ተሪፉ ኣደዳ ትምክሕተኛታት ኮይኑ ዝድፈርን ዝሓስርን ዘሎ።

እቲ ዝገርም ድማ ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ኣምሓራ ክልል ዝነብር ዝነበረ ጥቕላላ ብዝሒ ትግራዋይ 40,971 ዝነበረ እንትኸውን፣ ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ 2007 ኣብ ዝተገበረ ቖጸራ ህዝቢ ግን ናብ 37,397 ከምዝወረደ እቲ መንግስታዊ ሰነድ የረጋግፅ። ምውላድ ዘየቋረጸ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ወሰኽ ዘርኢ ብግልባጡ ቐኒሱ። ድሕሪ እዚ ናይ መወዳእታ ቖጸራ ህዝቢ ምክያዱውን ካፍተን ዝተጠቐሳ ኸባቢታት ተጋሩ ናይ ምብራር ስጉምቲ ስለዝተወሰደ ካብዚ ኣዐርዩ ዝወሓደ ከምዝኸውን ምግማት ይከኣል። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተብሃለ ኣብተን ወረዳታት ክልል ኣምሓራ በዝሒ ትግርኛ ተዛራቢ ስለዝዕብልል እዚ ኩነታት ዘይፈተወዎ መመሓደርቲ እቲ ክልል ናይተን ከባቢታት ዴሞግራፊያዊ ትሕዝቶ/ሚዛን ንምቕያር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈላለዩ ተፅዕኖታት ናፈጠሩ ካብቶም ከባቢታት ክወጽኡ ይግበር ጸኒሑን/ኣሎን ዝብል ዘረባ ሓቅነት ከምዘለዎ እዚ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ተራእዩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ቑጽሪ ምንካይን እቲ ኣብ ቐረባ ዝተፈጸመ ምብራርን መረጋገፂ እዩ። (ሕዚ ብዕሊ ዝፍለጥ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ነዞም ካብ ኣምሓራ ክልል ተመዛቢሎም ኣብ ትግራይ ዝኣተዉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሴን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ብልመና ዝመሓደሩ ዘለዉ ወገናትናን ኣይሓውስን።)

 ብኣንፃሩ ኣምሓራ ክልል ኣብ ቑጽሪ ህዝቡ ዝሓወሶም ተጋሩ ድሕሪ ብግልጺን ብስውርን ምብራሮም’ውን፤ ቑጽሪ ህዝቢ እቲ ክልል ከምዝነበረ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዝተኻየደ ቖጸራ ህዝቢውን ከም ዋጋ ዕዳጋ ውረድ ደይብ ኢሎም ተኸራኺሮም ብሚሊዮን ዝቑጸር ህዝቢ ከምተመረቐሎም ዝዝከር ጉዳይ እዩ። 

እዚ ልሉይ ዘይኮነ ኣሰራርሓ ብዓፋር ገፅ ዘሎ ዶባትናውን ተመሳሳሊ እዩ። መዋእሎም ብትግራይ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ብውሕዱ ከም ዳሉል፣ በራሕለ፣ ኣርሆን ካልኦት ከባቢታትን መብዛሕትኦም ህዝቢ ዓፋር ዝነብረሎም ስልዝኾኑ ኣብዚ ሓዱሽ ስርዓት ናብ ክልል ዓፍር ከምዝኸዱ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕገ መንግስቲ ተኸቲሉ ተፈጺሙ እንተይልና ንምንታይ ድኣ ዓብላላይ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝቢ ዘለዎም ቦታታት ንምኽላል ዘየጸግም ኣቀማምጣ መሬት እንዳሃለዉ ከምቲ ናይ ዓፋርን ካልኦትን ሕገ መንግስቲ ተኸቲሉ ዘይተፈጸመሎም? ከም ኣብነት ንምጥቃስ ሽኸትን ኸባቢኡን (ምብራቓዊ ክፋል እንደርታን ወጀራትን ዝነበሩ ኸቢታታት) ትግርኛ ተዛረብቲ ዝዕብሉሉዎ ወረዳ ከምዝኾነ ናተፈለጠ ብዘይድሌቶም ናብ ዓፋር ተኸሊሎም እዮም። ህዝቢ ሓሳቡን ድሌቱን ኣይተጠየቐን እምበር እዞም ህዝቢ ናብ ትግራይ ከምዝመርጹ ኣብ ከይዲ ተራኢዩ እዩ።

እዞም ተቖሪጾም ዝተረፉ ህዝቢ ኣብ ከይዲ ብኹሉ መዳይ ዘይጥዕም ኮይኑ ስለዝረኸቡዎ ናብ ትግራይ ንምምላስ ወይ ድማ ኣብ ዘለዉዎ ብፍሉይ ዞን ክንመሓደሩ ኢሎም ንዓመታት ጥርዓን ኣቕሪቦም ክልልን ፌደራል መንግስቲን ምስማዕ ከምዝኣበዩዎም ብመራኸቢ ሓፋሽ ካብ ኣንደበቶም ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኢና። እዚ ሕቶ ብምቕራቦም ድማ ብክልል ዓፋርን ናይቲ ወረዳ መማሓደርቲን ብዙሕ ምጉናያትን ጥቕዓትን ከምዝበጽሖም ይፍለጥ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዓብድራፍዕን ብሓፈሽኡ ኣብርሃ ጅራን ኸባቢኡን ዘለዉ ተጋሩውን ፒቲሽን ፊርማ ናታኣኻኸቡ ከምዝነበሩ ብስፊሑ ይንገር። እዚ ኣየረጋገጽናዮን፣ ካብ ወከልቲ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ምርግጋጽ ግን ይከኣል እዩ። ሚኒስተር ካሣ ተ/ብርሃን እውን መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ዝምልከት 13 ሕቶታት ናፍቲ ንሶም ዝመርሑዎ ዝነበሩ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ቐሪቦም ይፅንዑ ከምዝነበሩ ኣብ ቀረባ እዋን ገሊጾም እዮም።

እዚ ሓዱሽ ናይ ምክላል መስርሕ መንነት፣ ቋንቋ፣ መሬትን/ተፈጥሮን ሃፍቲ ምምሕዳርን መሰረት ዝገበረ ሓደሽቲ ውሽጣዊ ጎንፂታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ከምዝፈጠረ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፤ ነዚ ዝነበረ ናይ ምብትታን ሓደጋ ጠጠው ኣቢሉዎ ብተነፃፃሪ ርግኣት ዘለዋ ሃገር ምፍጣር ተኻኢሉ ኣሎ። ሽግራት ኣብ ዘዋጥጡ ነቑጣታት ድማ፤ ነዙይ ዝጥምት መንግስታዊ ኣካል ብሚኒስትሪ ደረጃ ተጣይሹ እዩ – ሚኒስትሪ ፌደራል ጉዳያት። ሕገ መንግስታዊ ጣልቃ አእታውነት ዝጠልብ ኣብ ዝኾውን ድማ፤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝለዓለ ኣካል ከምዝኾነ ይፍለጥ። ሕገ መንግስቲ ሃገርና’ውን ከምዚ ዓይነት ሕቶ ንዝለዕሉ ህዝብታት ግልጺ ዝኾነ ምላሽ ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣንቀጽ “48” “የኣከላለል ለውጦች’’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ቑ1

“የክልሎች ወሰን በሚመለከት ጥያቄ የተነሳ እንደሆነ ጉዳዩ በሚመለከታቸው ክልሎች ይፈጸማል። የሚመለከታቸው ክልሎች መስማማት ካልቻሉ የፌደሬሽኑ ምክርቤት የህዝብን ኣሰፋፈር እና ፍላጎት መሰረት በማድረግ ይወሰናል” ይብል።  

እዞም ህዝቢ ግና ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ኣልዒሎም እናሃለዉ ንምንታይ ዝሰምዖም ከምዝሰኣኑ ግልፂ ኣይኮነን።

እቲ መሪር ሓቂ ትግራይ መሬት ጥራይ ዘይኮነስ ህዝባውን ናብ ካልኦት ክልላት ተቖርሚሙ ምስተወሰደ ተሪፉ ኣሎ። ክሓትት እንተኾይኑ ብኹሉ ኣንፈት ግዝኣቱ ዝተወሰዶ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክሓትት ዝግባእ። ኣብ ክልል ኣምሓራ እኮ እስካብ ሎሚ ብትግርኛ ዝጸውዑ ቦታታት ብቑጽሪ ብዙሓት እዮም።

እዞም ትምክሕተኛታት መሬት ኣምሓራ እዩ ዝብሉዎ ዘለዉ ወልቃይት’ውን ዓዲ ሳግላ፣ ዕዳጋ ሰሉስ፣ ደለሳ ቆቓሕ፣ ሰላሳ ዓይና፣ ዓዲ ረመፅ ፣ ሩባ ሎሚ፣ ደብረ ማርያም፣ ታሕታይ ማይ ሑመር፣ ማይ ጋባ፣ ዓዲ ሰላም፣ ምድሪ ወይዘሮ ፣ መጉእ፣ እንዳቦ፣ ብላምባ ቅርሺ፣ ፀብሪ፣ ዓወርቂ፣ ደጀና፣ ማይ ጥምቀት፣ ዓዲ ጋባ፣ ኩሊታ፣ ብላምባ ልቋስ ወዘተ፣ ኣብ ፀገዴ’ውን ከተማ ንጉስ፣ ዳንሻ፣ እንዳማርያም፣ እንዳስላሰ፣ ጨጓር፣ ማይ ዓጋም፣ ማይ ደልየ ፣ ዋልካ፣ ዳራ፣ ሒላብ፣ ኩዶ፣ መድሃኒኣለም፣ ዓዲ ባርጌራ፣ ደብሪ ሓርያ፣ እምባታሮ፣ እንጣኣቤላ ወዘተ ዝብሉ ስያመታት ትግርኛ ዝሓዙ ጣቢያታትና ህያው መረዳእታ ነዊሕ ታሪኽናን መንነትናን ከምዝኾኑ ክፈልጥ ዝደለየ ክፈልጥ ይግባእ።

ብሓፈሽኡ ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይን ህዝባን ከምዚ ምዃኑ ናተፈለጠ መሬት ተወሲዱና ተጋሩ ኣይኮናንን ወዘተ ዝብሉ ወገናት ኣብ ዘይምልከቶ ክልል ከይዶም ጎንፂ ዝዕድም ምልልዕዓል እንተካይዱ ብኣዴን ነዚ ጥፍኣት ዝኸውን ባይታ ከመቻችወሎም ኣይምተገበአን።

ዓቕልን ሓላፍነት ምስካምን

ብወገና ኣብ ሞንጎ ውድባት ኢህወደግ ዘሎ ርክብ ሰላማዊን ኣብ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተተኸለ ኮይኑ ክቕፅል ኣገዳሲ እዩ ኢልና ንኣምን። ምእንተምንታይ’ሲ ናይዞም ውድባት ርክብ ምሕማቕ ካልእ ሳዕቤን ከምዝውለድ ስለንርዳእ። ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ’ውን ኣብ ዓብይን ንእሽቶን ጉዳያት ምስ ብኣዴንን ኣብ መዋሰንቲ ዘለዉ ኣማሓደርቱን ኣብ ሰሓቦ ጉተቶ ክኣቱ ዘይምከር እኳ እንተኾነ፤ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ እናረአየ ግና ዓቕሊ ክገብር ኣይንመክርን። ምኽንያቱ ንህዝቡ ዝተቓለሰ ውድብ ስለዝኾነ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ዘማሓድሮ ዘሎ’ውን ብምዃኑ ከምዚኦም ዝበሉ ሽግራት ኣብ ዝፈፀሙሉ እዋን እንተወሓደ፤ ምስቲ ክልል ኣምሓራ ዝመርሕ ዘሎ ብኣዴን ይዛተ፣ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ወሲዱ እቲ ኩነታት የዛቲ፣ እንተገደደ ድማ ናብ ማእኸላይ መንግስቲ ብምቕራብ ሕገ መንግስታዊ ፍታሕ ክገብረሉ ይግባእ።

ኣንቱም ነዚ ህዝቢ ወኪልኩም፤ ካፍቲ ከባቢ ኣብ ሃገራዊን ክልላዊን ቤት ምኽሪ ትርከቡ ተመረፅቲውን ህዝብኹምን ግዝኣትኩምን ዳግም ክሽየጥ ኣብ ድርድር ኣብዝኣትወሉ እዋን ሱቕ ምባል ዝተመረጽካሉ ሓላፍነት ምዝንጋዕ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ፣ ቓፍታን ሑመራንውን ብግልጺ ነጊሩኩም ኣሎ። እዞም ካሊእ መንነትን መሬትን ዝሓልሙ ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ ተረፍመረፍ ደርግን ሃ/ሥላሴን እዮም እናበልካ ግዜ ካብ ምጥፋእ እቲ ዝንቀሳቐስሉ ዘለዉ ምችው ባይታ ምስ ዝሃበ ኣካል’ውን (ብኣዴን) ፊት ንፊት ዝርርብ ዝግበረሉ ኩነታት ምፍጣር ቅኑዕን ኣገዳስን እዩ። ምምሕዳር ትግራይን ወከልቲ ህዝብን እዚ ኣብዘይገብሩሉን ግልፂ ሓበሬታ ኣብዘይህበሉን ኩነታት ዜጋታት (ብፍላይ ተወለድቲ ናይቲ ክልል) ኣብ ኣመሓደርቲ እቲ ክልልን ብሓፈሽኡ ኣፍቲ ሃገር ዘሎ ላዕለዋይ ኣካልን ሕቶ እንተልዓሉን እንተእወዩን ዝገርም ኣይኮነን። የግዳስ ግቡኦም ከምዝፈጸሙ ጥራይ እዩ ክውሰድ ዘለዎ።

ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ክልል ኣምሓርራ ዝተባረሩ ዜጋታት ዝምልከት አስካብ ቀረባ መዓልቲ ካብቶም ግዳያትን ኣብቲ ከባቢ ካብዘለዉ ጉዱሳት ወገናትን ከምዝሰማዕናዮ፤ ሓንቲ ፍታሕ ኣይተገበረን። ብዛዕብኦም ዝተገደሰ ወገንውን የለን። አቶም ግዳያት ዝተዘረፉዎ ንብረቶም ኣይተመለሰሎምን። ተመዛቢሎም ከምዝተረፉ’ውን  ይግለፅ። እስካብ ሕዚ ተሓታቲ ዝኾነ ኣካል’ውን የለን። ስለዝኾነ ድማ ፍትሒ ዝወርደሉ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ። ኣመሓደርቲ ክልል ኣምሓራ’ውን ነዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዒ ግልፂ ምላሽ ክህቡሉ ንፅበ። እዚ ኣብ ዘይተገበረሉ ኩነታት ተጋሩ ከምዚ ዓይነት ጉድ ተደሪዕና ከምዘይንታኸስ ዝግንዘብ ኣካል ክግንዘብ ይግባእ። ህዝብና ክድፈርን ክዋረድን ስለዘይተቓለሰ፤ ኣብዝኾነ እዋን እዚ ዝወርዶ ዘሎ ተፃብኦ ኣይቕበሎን። ኣይግባእን’ውን።

መደምደምታ

ህዝቢ ትግራይ ንታ ባዕሉ ዝመስረታ ሃገሩ ኢትዮጵያ ዘላቕነት ክብል መዋእሉ ካብ ብፅሒቱ ንላዕሊ መስዋእቲ ናኸፈለ ዝመፅአ ህዝቢ እዩ። እዛ ሃገር ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ከይትወድቕ ዘይሕለል ቓልሲ ገይሩ ጀጋኑ ደቁን ንገስታቱን ጥሪቱን ብምክፋል ንመተማን ኸባቢኡን ሓዊሱ እታ ሎሚ ዘላ ሃገር ዘፅንሐ ተባዕ ህዝቢ እዩ። ኣብ ስርዓታት ሃ/ሥላሴን ደርጊን ዝተገበረ መሪር ዕጥቃዊ ቓልሲ’ውን ህይወት ዓሰርተታት ዓሻሓት ቐያሕትን ፀለምትን ደቁ ከፊሉ፣ ካብ ሚኢቲ ሽሕ ንላዕሊ ኣካሉ ኣጉዲሉ፣ ንብረቱን ጥሪቱን ባዲሙ፣ ኣብ መወዳእታ እዛ ሃገር ዳግማይ ካብ ፀልማት ኣውጺኡ ንኻልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ’ውን ዝተርፍ ሰላምን ሓርነትን ዝፈጠረ ህዝቢ እዩ። እቲ ጠላም ጉጅለ ሻዕቢያ እንትወረና’ውን ወታሃደር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ምልሻን ወየንቲን፣ መናእሰይ፣ ኣዴታትን ኣያታትን ኣብ ግምባር ኣሰሊፉ ሕልፊ መስዋእቲ ዝኸፈለ ወረጃ ህዝቢ እዩ። ብምዃኑ ድማ ስርዓታትን ተፈጥሮን ብዘብጽሕሉ ድርብርብ ዕንወት ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ ሃገር እቲ ዝበዝሐ ኣካል ጉዱልን ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ቕልውላን ዝተሰከመ ህዝቢ ከምዝኾነ ማእከላይ ስታቲስቲክ ኣብ 2007 ዓም ዝገበሮ መፅናዕቲ ብግልጺ የቐምጥ።

እሞ እዚ ንኽብሩን ንሃገሩን ኩለንተንኡ ዝኸፈለ ህዝቢ ብኹሉ መዐቀኒ ዝለዓለ ኸብሪ ክረክብ ዘለዎ ድኣ እምበር ኣደዳ ትምክሕተኛታትን መስፋሕፋሕቲን ክኸውን ኣይግባእን። ህዝቢ ትግራይ ሽንኳ ናይ ካልኦት ክወስድ መዋእሉ ዘመሓድሮም ዝነበሩ ግዝኣተ መሬትውን ዘይምለሰ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኹ እታ ዝነኣሰት መሬት ዘማሓድረሉ ዘለናሉ ኩነታት ኢና ንርከብ። እዚ ሓቂ እዚ ብስሩውን ኣብ ናይ ታሪኽ መፃሕፍቲ ብግልጺ ሰፊሩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጦ ዘለዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብዚ ተመራመርቲ ታሪኽ እጃሞም ክገብሩ ይግባእ።

ክልል ኣምሓራ ዘማሓድር ዘሎ ብኣዴን’ውን ኣፍቲ ክፉእ እዋን ኢዱ ዘርጊሑ ተቐቢሉ ሓብሒቡ ዘዕበዮ ህዝቢ ኣብ ዘማሓድሮ መሬት እንትጓነ ሱቕ ኢሉ ምርኣዩ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ካውኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ክልሉ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ምንቅስቓስ ክፈቅድ ኣይምተገበኦን። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’ውን ህዝቡ ኣብ ክልሉ ይንበሩ ኣይንበሩ ብዘየገድስ ናይ ተገዳስነት ምልክት ከርኢ ሓላፍነት ኣለዎ። እዞም ህዝቢ ትማሊ ትማሊ ኣያታቶም ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ካብ ዝኸፈልሉ መሬት ከም ናይ ሳውዲ ዓረቢያ ንብረቱ ተዘሪፉ ወይ ራሕሪሑ ክጥረዝ እንተሎ እንተነኣሰ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ቕልጡፍ ምላሽ ክጠልብ ይግባእ። ሽንኳን ኣብ ሃገሩ ዝነብር ትግራዋይ ኣብ ዳያስፖራ ዘሎኳ’ስ ንዓዱ ይጠቅም እዩ ተባሂሉ ተወዲቡን ብውልቁን ኣብ ናይ ሃገሩ ልምዓት ንክሳተፍ ምእንታን መንግስቲ ዘይገብሮ ፃዕሪ የለን። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ዘሎ ትግራዋይውን ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ልምዓት ትግራይ ዝሳተፍ ዘሎ ወናም ህዝቢ እዩሞ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ክግፋዕ እንተሎ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ኣይግበኣን ጥራይ ዘይኮነስ ሱቕ ምባልውን ዝገደደ ሳዕቤን ከምዘለዎ ተረዲእኻ እዞም ሰብ ከንቱ ሕልሚን አቶም መድረኽ ዘመቻችዉሎም ዘለዉ ሓይሊታትን ዘይሕሰብ ይሓስቡ ከምዘለዉ ብግልፂ ቛንቛ ምርዳእ የድሊ ብምባል ኣውያትና ኣብዚ ንዛዝም።

ሰላም፣ ልምዓትን ራህዋን ንኹሎም ህዝብታት … ፍትሒ ንተበደልቲ!

*********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories