ኣብ 40ታት፡ ኤርትራ ንምንታይ ናጽነት ዘይተዋህባ?

(Yoel Alem)

ምስዚ ሕቶ ተተሓሒዞም ዝቀርቡ ክልተ ሓሳባት ኣለው፦

(1) “ኤርትራ፡ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጽነታ ክወሃባ እንዳ ተገብአ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከም ትቁረን ጌሩ”.. ዝብል ልሙድ ኣዘራርባ ኣሎ።

(2) “ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ‘ኳ እንተ ነበረ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ብፈደረሽን ክም ትቁረን ጌሩ” ዝብል ዘረባ ‘ውን ኣሎ።

ሓቅነቶም ግን ማዕረ ክንዳይ እዩ?

ነቲ ቀዳማይ ሕቶ ክንምልስ እንተ ኾይንና፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኩነታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ኔሩ ኢልካ ምግምጋም የድሊ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዓርባዕት ሃገራት ጥራይ፡ ካብ ባዕዲ መግዛእቲ ኤውሮጳ፡ ናጻ ኔረን። (1) ላይበርያ (2)ደቡብ ኣፍሪቃ (3) ግብጺ (4) ኢትዮጵያ።

ላይበርያ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣሜሪካ ዝነበረት ኮይና፡ ካብ ጊላነት ናጻ ንክኾኑ ዝተፈቅደሎም ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዘቆምዋ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ሪፓብሊክ እያ። ኣሜሪካ ኣብ 1864 ከም ናጻ ሃገር ፈሊጣታ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ 1931 ናጻ ወጽያ። ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ “ኣፍሪካነርስ” ኢሎም ንነብሶም ዝገልጹ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጻ ንኽትወጽእ ልዑል ተራ ነበሮም።

ድሕሪ ናጽነት ግን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ጨካን ዓሌታዊ መግዛእቲ ኣፓርታይድ ወዲቃ። ናጽነት ንጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጻሉን። ካብ ሓደ መግዛእቲ፡ ናብ ዝያዳ ህልም ዝበለ መግዛእቲ ጥራይ እዩ ተሰጋጊሩ።

ግብጺ ኣብ 1922 ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጻ ወጽያ። ኢትዮጵያ ድማ፡ እዛ ንፈልጣ ኢትዮጵያ እያ።

እቲ ኻልእ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ህልም ዝበለ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ነበረ። ኤርትራ ‘ውን ከምኡ።

ጣልያን፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ተሳዕረ ግን፡ ግዝኣት ጣልያን እንታይ ይኹና ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ግዝኣት ጣልያን፡ ንሶማል፡ ኤርትራን፡ ሊብያን የጠቃልል።

ኣብዚ እዋን ‘ዚ፡ ግዝኣታት ኣፍሪቃ ብመልክዕ ኤሮጳዊ መግዛእታዊ ዶባት ናጻ ይኹና ዝብል international instrument ወይ ሕጊ ወይ ውዕል ኣይነበረን። ክነብር ‘ውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ክወጻስ ይትረፍ፡ ብዓቢኡ ኣፍሪቃውያን ናጻ ክወጹ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ‘ውን ህቡብ ኣይነበረን። ዘይሕሰብ ነገር ‘ዩ ኔሩ።

ኾይኑ ድማ፡ ጉዳይ ኤርትራ፡ ሊብያን ሶማልን፡ ኣብ ህልም ዝበለ ገልታዕታዕን ስሓቦ ጉቶቶን ሓያላን ይኽኑ ሕቡራት ሃገራት ንኽወድቅ ተገዲዱ። ፋሕ ዝበለ ውጽኢቱ ‘ውን፡ ገዛኢ ሕጊ ወይ instrument ዝተሓረሞ ከም ዝነበረ ምስክሩ እዩ።

ሊብያ ኣብ ሰለስተ (ፌዛን፣ ትሪፑሊን ሳራናይካን) ክትክፈል እያ እንዳ ተባህለ፡ ብሰንኪ ዘይምርድዳ ናይቶም ኣብ ሊብያ ረብሓ ዝነበሮም ሃገራት፡ ዘይትሓስበ ሕብርትን ናጻን ሃገር ኮይና።

ሶማል፡ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ገዛኢታ ጣልያን ከም ትወድቅ ኮነ። ኤርትራ ‘ ድማ ብፈደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ።

ግዝኣታት ኣፍሪቃ፡ ብመሰረት ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ዶባት ናጻ ክወጻ ኣለወን ዝብል ሓሳብ፡ ኣብቲ እዋን ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ጋሕማጥ መስርሕ ኣፈታትሓ ጉዳይ በዓል ኤርትራ፣ ሶማልን ሊብያን ተሞክሮ ምስ ተጠርየ፡ ኣብ መወዳእታ 50ታት ዝተቀልቀለ ሓሳብ እዩ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ድማ ኣብ 1963 ብወግዒ ተቀቢልዎን ኣጽዲቅዎን።

እምበኣርከስ፡ ሕቡራት ሃገራት ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ናጽነት ክውስን ኔርዎ ዝብል ሓስብ ቁቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ይኹን ሶማል ዋላ ‘ውን ሊብያ፡ ብቀጥታ ናጽነት ንኽውስን ዘፍቅድ ሕጋዊ ስልጣን ስለ ዘይነበሮ።

እቲ ኻልኣይ ነጥቢ፡ “ፈደረሽን ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ነበረ” ዝብል እዩ።፡ እዚ ቁኑዕ ዘረባ እዩ። ፈደረሽን ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኔሩ። ግን ድሌት “ኩሉ” ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ኣይነበረን። በንጻሩ ‘ኳ ደኣ፡ ሕብረት (ኣንድነት) እዩ እቲ ዝበዝሕ ዝነበረ። ወግዓውን ዘይወግዓውን ጸብጻባት ናይቲ እዋን፡ ነዚ ሓቂ ‘ዚ የስምሩሉ። (ስእሊ ርአ)

Image - Eritrea wants union with Ethiopia 1952
Image – Eritrea wants union with Ethiopia 1952

ብዛዕባ ቀጽሪ ናጽነት ክዝረብ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ዝሓየለ ጎኑ ኣልራቢጣ ነበረ። እቶም ካልኦት፡ በዓል LLP ናይ ራእሲ ተሰማን ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ከምኡ ‘ውን Pro-Italia ደቀቅቲ ነበሩ።

ሓያል ጎድኒ ቀጽሪ ናጽነት፡ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ወይ መታሕት ነበረ። ኣብ ዝተረፈ ክፋል ሕብረተሰብና ግን፡ ሕብረት ኣብዝሓ ነበሮ። “ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኔሩ” ዝብል ሓረግ እምበኣር፡ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ።

ስለዚ፡ ብመሰረት ድሌት ህዝብን፡ ኣብዝሓን ዲሞክራስን ክውሰድ እንተ ኾይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ፈደረሽን ዘይኮነ፡ ሕብረት እዩ ክውስን ኔሩዎ። ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ እንተ ኾይኑ ድማ፡ ውጥን በቪን-ሲፎርዛ ዝያዳ ይምረጽ። ንምዕራባዊ ቆላ ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ኤርትራ ምፍላይ ማለት እዩ።

ንኤርትራ ናብ ክልተ ምፍላይ ግን፡ ብኹሉ ሸነኽ፡ ብሸነኽ ኣቦታት ሕብረት ይኹን ኣልራቢጣ፡ ዝቅበልዎ ኣይነበሩን። ኣትሪሮም ዝቃወምዎ ጉዳይ ነበረ።

ስለዚ፡ ድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት እንተ ዝውሰድ ‘ሲ፡ ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ከመይ ክኸውን ኔርዎ? ብመሰረት ኣብዝሓን ዲሞክራስን፡ ሕብረት ‘ዶ ይኹን? ወይ ፍትሓዊ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል? ዋላስ ከም ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ዝኣመሰሉ ማእከላይ ውሳኔ?

**************

Guest Author

more recommended stories