ቀረመት ታሪክ ይትረፍ – ታሪክ ትግራይ ይተኣቀብ

ናብ፡- ትብፃሕ ንኹሉኹም ኣመራርሓን ተጋደልተን ህወሓት (ኣብ ውሽጢ ውድብ ንዘለኹምን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ውድብ ንዝተፈለኹምን)

ዋኒኑ፡ ብዛዕባ ምዕቃብ ታሪኽ ገድሊ ትግራይ ይኸውን

ፈለማ ንኹሉኹም ኣብቲ ብህወሓት ዝተመርሐ ኣንፃር ዕብለላን መርገፅት ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተሳተፍኩም ወለዶ ምስጋና ይብፃሕኹም፡፡ ሳላ ንስኻትኩም ዝተዋደቕኩም፣ ሳላ ንስኻትኩም ዓለም ዘደመመ ታሪኽ ዝሰራሕኹም፣ ሳላ ንስኻትኩም ከይረብረብኩም ዝተሰዋእኹም፣ ሳላ ንስኻትኩም ንስለ ብሄራዊ ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ዝደመኹም፣ ሳላ ንስኻትኩም ኣብ ጎቦታት ሽንጥሮታት ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን የዕፅምትኹም ዝዘራእኹም፣ ኮታስ ሳላ ንስኻትኩም ልዕሊ ሰብ ኮይንኩም ተፍጥሮን ፀላእን ዝሰዓርኩም … እንሆ ንሕና ደቅኹም ብትግርኛ ተማሂርና ብትግርኛ ንፅሕፍን ንሓሰብን ኣለና፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ከም ወለዶ ሓላፍትና ክንዋፃእ ንቃለስ ኣለና፡፡ ብሂወት እንዳሃለኹም ውን እቲ ንስኻትኩም ዝሰራሕኹምዎ ታሪክ ምናልባት ልዕሌኹም ንሕበነሉን ልዕሌኹም ንሕለቐሉን ኣለና፡፡ ነዚ ውን ግን ምስጋና ንዓኹም፡፡

ንዓኹም ክነመስግን ከለና ግን ንስኻትኩም ብሽምኩም ውን ትስመዩ ቀንዲ ተዋሳእቲ ሰለዝኾንኩም እምበር፤ ቀንዲ ሰራሒ ናይዚ ወርቃዊ ታሪኽስ እቲ መዋእሉ ታሪኽ ምስራሕ ዝልማዱ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ታሪኽ ህወሓት ዝመርሖ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መቐፀልታ ናይቲ ልዕሊ 3000 ዘመናት ብህዝቢ ትግራይ ዝተሰርሐ ታሪኽ እዩ፡፡ ወናኒ ናይቲ ኣብ መዋእል ብረታዊ ቓልሲ 17 ዓመት ዝተሰርሐ ታሪኽ ድማ ሕድ ሕድ ስድራቤት ትግራይ እዩ፡፡

እዚ ታሪኽ ፍልይ ዘብሎ ግን ህዝቢ ትግራይ ብኩፉኣት ውሽጣውያን ፀላእቲ ተጠሊፉ ወዲቑ ምናልባት ውን ኣብ ታሪኹ እቲ ዝኸፍአ መንነቱ ናይ ምቕሃም ሓደጋ ኣጋጢምዎ ምንባሩ እሞ ካብዚ ክወፅእ ዘኽእለ ብምኻኑ እዩ፡፡

ናብ ዋኒነይ ክመፅእ ከለኹ፤ ነዚ ፅሑፍ ክፅሕፍ ዘገደደኒ ኣብዚ ሰላማዊ ቃልሲ ንብሎ መዋእል እሞ ኸኣ ኣብቲ ንምህናፁ ልዕሊ ዝኾነ ሓይሊ መስዋእቲ ዝኸፍልናሉ ስርዓት ውን ኣንፃር መንነትናን ታሪኽናን ደው ዝበሉ ሓደጋታት ምህላዎም ብዕዛበይ እዩ፡፡

ሎምቕነ መቓልስትናን ሓውናን ዝኾነ ውድብ ኢህዴን/ብኣዴን መበል 35 ዓመት ምስረታ ብዓሉ ከኽብር ቀንዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኣባላት ብኣዴንን ንህዝብታት ክልል ኣምሓራን እንካዕ ደስ በለኩም ክብል እፎቱ፡፡ ኢህዴን/ብኣዴን ኣብ መደረኽ ሰላማዊ ቃልሲ ንሰለ ህንፀት ዴሞክራስን ሰላምን ከምኡ ኣብዚ ከይዲ ዓንቃፋይ ዝኸነ ኣተሓሳስባ ትምክሕቲ ንምስባር ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ውን ኣድናቐተይ ክገልፅ ከለኹ ብሙሉእ ልቢ እዩ፡፡

እዚ ኢለ ምስበልኩ ግን ኣብቲ ኣከባብራ በዓል ዝተዓዘብኩም ክስተታት መሰረት ብምግባር ወልቃዊ ሪኢቶይ ከቐምጥ፡፡ Photo - Dedebit, Tigrai, Ethiopia

ድሕሪ ምድሳስ ስርዓት ደርጊ ዳርጋ 25 ዓመታት ኣቕፂርና ኣለና፡፡ ኣሓት ውድባት ብኣዴን ኣሓዊሱ ዝተመሰረታሉ ዓመት ምኽንያት ብምግባር በብዓመቱ ብፈሉይ መልክዑ ድማ በቢ 5 ዓመት ፅምብላት ከኽብራ ፀኒሖምን የኽብሩ ኣለውን፡፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ዓመት ኣብዚ ወርሒ ቅድሚ 35 ዓመታት ዝተመሰረተ ኢህዴን ብኣዴን ውን ፅምብሉ ኣብ ምኽባር ይርከብ፡፡ እንተኾነ ግን ናይ ሎምዘበን ኣከባብራ ምስረታ በዓል ብኣዴን ፍልይ ኢሉኒ፡፡ በቢ 5 ዓመቱ ዝበዓል በዓል ብምኻኑ ኣይኮነን ፍሉይ ዝገበሮ፡፡ እቲምንታይሲ ቅድሚ ሐዚ በቢ 5 ዓመቱ ዝኽበሩ በዓላት ንኣብነት መበል 15፣ መበል 20፣ መበል25፣ መበል 30 ሓሊፎም ክንሶም ኣብ መበል 35 ዓመት ግን ፍሉይ ክኸውን ዝገበሮ ምኽንያት ኣይተረድኣንን፡፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከምዝሰማዕኽዎ እንተኾይኑ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት ንምልምላም፣ ታሪኽ ብኣዴን ነቐፃሊ ወለዶ ንምሕላፍ፣ ብመሪሕነት ብኣዴን ዝተረኸበ ልምዓትን ሰላምን ንምፅባል … ወዘተ ዝብሉ ከም ምኽንያታት እዚ ፍሉይ ፅምብል ዝርዘሩ ነጥብታት ነይሮም፡፡ ዋእ! እዞም ነጥብታት ሓደሽቲ ድዮም ንኢትዮጵያ? ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት መሰረት ዝገበረ ሃገራዊ ሓድነት ንምህናፅ ዝብል ኣምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተኣታቶ ፀኒሑ እንድዩ ግዲ? ታሪኽ ቃልሲ ኢህዴን ንመፃኢ ወለዶ ንምሕላፍ እንተኾይኑ ዕላምኡ ቅድሚ ሐዚ ንምንታይ ዘይተሰርሓሉ? ሐዚ ነዚ ዘገድድ እንታይ ተረኺቡ?

ካልእ ኣብ ድሮ በዓል ቡዙሓት ናይ ሚድያ ስራሕቲ ታሪኽ ኢህዴን/ብኣዴን ዘውስኡ ዶክሞንታሪ ፊልምታት ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ይፍነዉ ቀንዮም፡፡ ብፍላይ ኣምሓራ ተሌቭዝን ቀዲሙ እዩ ጀሚሩ፡፡ እዞም ዶክመንታሪ ፊልምታትን መግለፅታትን ግን ገለ ሕቶ ክተልዕል ዝገብሩ ነይሮም፡፡ ብፍላይ ገለ ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራን ብኣዴንን ንጋዜጠኛታት ዝህብዎ ዝነበሩ መግለፅን ዘረባታትን ቃንኦም ሰገፅ ዘብል ነይሩ፡፡ ቀዳማይ ነገር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኢህዴን ብኣዴን ካብ ዝኾነ ኣካል ዝኾነ ሓገዝ ዘይተገበረሉ በይኑ ይነብርን ዝቃልስን ዝበረ ዘምስል ነይርዎ፡፡ ንኣብነት ሓደ ብዓል ስልጣን ኣብ ሚድያ ቀሪቡ “የኣማራ ህዝብ ራሱ በራሱ የታገለ ኢህዴንን የፈጠረ” እንዳበለ ብቑጡዕ ቃና ነታ ሓረግ እንዳደጋገመ ክዛረብ ተራእዩ፡፡ ፅቡቕ ከምዚ ምባሉ ሓጥያት የብሉን፡፡ እቲ ግር ዝብለካ ግን ነዛ ሓረግ ብቑጡዕ ቃና ምድድጋም እንታይ ኣምፅኦ ዝብል እዩ፡፡ ንኣብነት ህወሓት ምስ ማእኸል ሃገር ዝተተሓሓዘ ታሪኹ ክገልፅ ከሎ ዝነበረ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን የቐምጥ፡፡ ምስ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሮ ርክብ ውን ከይሓበአ ከይሾክዖ ይዛረብ፡፡ ከም ኣገላልፃ እዚ በዓል ስልጣን ግን ተደርፂፁ ክዛረቦ ከሎ ኣብ መንጎ ህወሓትን ኢህዴንን ዝነበረ ርክብ ከምኡ ውን ምሕዝነት ቃልሲ ህዝብታትን ትግራይን ኣምሓራን በታ ዘለዎ ኣይመስልን፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ብተሌቭዝን ኣምሓራ ዝቐረበ “ፍልምያ” ዘርእስቱ ዶክመንታሪ ፊልም ፍልይ ዝበለ ኩነታት ነይርዎ፡፡ እቲ ፊልም ብረታዊ ቓልሲ ኢህዴን ዝትርኽ ኮይኑ፤ ዝተኻየዱ ውግኣትን ዓወታትን ይትንትን፡፡ ብመሰረቱ ኢህዴን ክንዲ ዝከኣሎ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፈ መስዋእቲ ውን ዝኸፈለ ውድብ እዩ፡፡ ኢህዴን ባዕሉን በይኑን ዘመዝጎቦም ዓወታት ዓውደ ኪናት ውን ኣለውዎ፡፡ ኣብ ዶክመናታሪ ፊልም “ፍልምያ” ግን እዚ ኸምዚ ዝበለ ታሪኽ ኣይኮነን ከምዘለዎ ዝቐርብ ዝነበረ፡፡ እንኮላይ እቶም ተጋደልቲ ህወሓት ንቦይኖም ዝወዓልሎም ዓውደ ውግኣትን ዓወታትን ኢህዴን ብኣዴን በይኑ ከምዝወዓሎም ብዘምስል ኣገባብ እዩ ተቓንዩ ይቐርብ ነይሩ፡፡ ንኣብነት ኢህዴን ዋግ ነፃ ኣውፂኡ ክብል ከሎ ግደ ቦጠለኒ ትንታግ ህወሓት ኣይዝረብን፡፡ ካልእ ካብ ታሪኽ ከምዘምበብናዮ ደሓር ብዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእኸል ኣብ ዝቐረበ መጠይቕ ገለ ኣባላት ኣመራርሓ ብኣዴን ውን ከምዝመስከርዎ ኣብ ወፍሪ ምቁፅፃር ጉና ተራራ ዝተሳተፈ ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ህወሓት፡፡ ኣብዚ ፊልም ግን ኢህዴን ውን ከምዝበረ ይትርኽ:: ካልኦት ቡዙሓት ውዕሎታት ውግእ ውን ከምኡ፡፡ ሰለምንታይ ንምንታይ ሓቀኛ ታሪኽ ከምዘለዎ ዘይቐርብ?

ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ከኣ፤ ኣብዚ ዝተጠቐሰ ፊልም ኮነ ኣብ ካልኦት ፊልምታት ውዕሎታት ተጋደልቲ ኢህዴን፣ ቆራፅነት፣ መስዋእቲ ዝነበረ ቁሩብነት፣ ኩነታት ውግእ … ወዘተ ክትረኽ ከሎ ዝቐርቡ ምስልታት ነቲ ዝበሃል ዝውክሉ ኣይኮኑን፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ዕድመ ልክዕና ምልክት ጀግንነትና ጌርና ንወስዶም (ሽሞም ዋላ ኣይንፍለጦም) ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ ኪናት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዘርኢ ፊልም ናይ ኢህዴን ውዕሎ ኮይኑ ይቐርብ ነይሩ፡፡ ንኣብነት ተጋዳላይ ጎምፅ መሪሕወን ዝተኹዓተ ጉድጋድ ድፋዕ ዝዘላ ታንክታት፡፡ ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈለለዩ ፊልምታት ትግርኛ እንዳተዛረቡ ዝዋግኡሉ ኪናት ብተደጋጋሚ ብምርኣይና ከምዝበርናሉ ንዝክሮ ንጥፈታት ውግእ ተቖሪፁ መዐጀቢ ናይ ኢህዴን ውዕሎ ውግእ ኮይኑ ረኺብናዩ:: ከምዚ ዝበለ ምሕባእ ሓቀኛ ተዋሳእቲ ሰለምንታይ ኣድልዩ? ወይ ከኣ ከምዘለዎ ዘይምቕበ? እዞም ምስልታት ምንቅስቓስ ውግእ ክጥቀምሎም እንተደልዮም ታሪኽ ከምዘለዎ እንዳወሰዱ ምስናቶም ኣዛኒቖም ከምዘለዎ ምቕራብ ኣይከኣልን ድዩ? ምስልታት ምንቅስቓስ ውግእ ተጋደልቲ ህወሓት እንዳወሰድካ መንነቶም ምሕባእ ወይ ሽም ህወሓት ካብቲ ዓውደ ኪናት ምሕባእ ንምታይ ኣድልዩ? ወይ ከኣ ምስ ሙሉእ ጌግኡ (ምኽንያቱ ወተሃዳረዊ ልዕልና ህወሓት ፁፁይ ሓቂ ሰለዝነበረ) ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ዝተለመደ ሰራዊት ኢህወደግ ከ ንምታይ ዘይተብሃለ?

ሕቶ ከልዕልን ክፅሕፍን ዘገደደኒ ካልእ ተጋንፎ፤ ሰበ ሰልጣን ሃገርና ዝህብዎ ዝነበሩ ገለፃታትን ቃለ መሕተታትን እዩ፡፡ ከምድሌቶም ኣጋኒኖም ዓወት ኢህዴን ብኣዴን ምግላፆም መሰሎም እዩ፡፡ እዚ ፀገም የብሉን፡፡ ብሱሩ ውን ብኣዴን ኣብቲ ዝነኣድ ዓወት ዘመዘገበሉ ዓውዲ ኣነ ኮ ካልእ ሰብ ኣፀቢቑ ክገልፆ ምድላይ ኣወንታውነትን እምበር ፀገም የብሉን፡፡ ኣብ መበል 35 በዓል ምሰረታ ብኣዴን ዝቐርብ ዘነበረ ገለፀታት ግን ቅድሚ ሐዚ ይወሃቡ ምስዝነበሩ ኣይጠዓዓምን፡፡ ገለ ሰበ ስልጣናት ኣብ መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓት ዝበልዎ ካልእ ሐዚ ዝብልዎ ዘሎው ካልእ፡፡ እዚ ዝብል ዘለኹ ኣነ ትግራዋይ ሰለዝኾንኩ ህወሓት ከዕብን ከብልፅን ደልየ ኣይኮነን፡፡ የግዳስ እዞም ክልተ መልሓስ ዝዘረቡ ሰባት እቲ ሐዚ ንብኣዴን ዝገልፅሉ ዘለው ኣገባብ ብኣዴን ዝወዓሎን ዝግብኦን እንተኾይኑ ኣብ መበል 40 ዓመት ንህወሓት ክህብዎ ኣይነበሮምን፡፡ ምኽንያቱ ሓቂ ናይ ምዝባዕን ገልበጥበጥን ሰለዘመላኽት፡፡

ከምዚኦም ዝበሉ ትዕዝብታት ገዲፉ መበል 35 ዓመት ምስረታ ኢህዴን/ብኣዴን ሓሊፉ፡፡

እዚ ፅሑፍ ቁሉዕ ደብዳቤ ገይረ ፂሒፈ ዝረኣየ ሰብ ከኣ መሊሱ ንዓይ ክዕዘበኒ ይኸውን፡፡ እዚ ወዲ አንታይ እዩ ዝብል ዘሎ? እዚ ሐዚ ዛዕባ ረኺቡ ድዩ ፅሒፍዎ? እዚስ ሐዚ ፀቢብነት ዶ ኣይኮነን? ዝብል ኣይሰኣንን:: ገለገለ ውን እሞ ታሪኽ ህወሓት/ህዝቢ ትግራይ ናትና ኢሎም እንተቕረቡ እንታይ እዩ ፀገሙ? ዝብል ውን ይህሉ፡፡ ገለ ለዋሃት ውን ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ እንድዩ ግዲ እንተወሰዱ እንታይ ፀገም ኣለዎ? ክብሉ ይኽእሉ፡፡

ኣነ ዝረኣኹሉ መነፀር ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ እዩ፡፡ ቀዳማይ ነገር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተቓለሰሎም ምኽንያታትን ንቓልሱ ፍትሓዊ ዝገብሩ ረቓሒታትን ሓደ መግለልን ጠቕላልን ኣፀሓሕፍታ ታሪኽ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ድሕሪ ምንሊክ ዝተፈጠረት ኢትዮጵያ ኣንፃርን መንነትን ክብርን ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ሰለዝነበረት ታሪኽ ህዝብታት ኢትዮጵያ ወይ ተጨፍሊቑ ክብሩ ቐኒሱ ኣብዘይብትኡ ተመዚጊቡ ፀንሑ እዩ ወይ ከኣ ካብ ሰራሕቱ ተነፂሉ ኣብ መኣዲ ታሪኽ ንዘይነበሩ ተዋሂቡ ፀንሒ እዩ፡፡ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ጨቋናይ መስርሕ ታሪኽ ጀጋኑ ተጋሩን ህዝቢ ትግራይን ብዓብዩ ግዳይ ነይሩ፡፡ ናይዚ ውፅኢት ከኣ ጎንፅን እቲ ዝተርኣየ ሂወት ኣእላፍ ዝበልዐ ኩናትን ኮይኑ፡፡

ካልኣይ ነገር ታሪኽ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓደን ዘይነፃፀልን ኣይኮነን፡፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ ማለት ህዝብታት ኢትዮጵያ ነመፃፅእኦም ዝመስል ነናይ ባዕሎም ዕብየትን ጉዕዞን ዘንፀባርቕ ዝተፈላለየ ነናይ ባዕሎም ታሪኽ ድምር ምፅኢት ምኻኑ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ሰለዚ በበይኖም ዝሰርሕዎ ታሪኽ ናይ ባዕሉ መዝገብ ኣለዎ ብሓባር ዝሰርሕዎ ታሪኽ ከኣ ናይ ባዕሉ መዝገብ ኣለዎ፡፡ እዚ ምስዝኸውን ምክእኣልን ሓቢርካ ምንባር ክድንፍዕ ይኽእል፡፡

ሳልሳይ ነገር ንዓይ ክሳዕ ዝርድኣኒ ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት ማለት ናይ ካልኦት ታሪኽ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ወይከኣ ምውሳድ ማለት ኣይኮነን፡፡ እቲ ታሪኹ ዝውሰዶ ህዝቢ እውን እንዳተወሰዶ ዴሞክራስያዊ ብሄርተኛ ምእንታን ክበሃል ብስክፍታ ስቕ ክብል ኣለዎ ማለት ውን ኣይኮነን፡፡ ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት ከምቲ ሓርሰቶት ተጋሩ ኣቦታትና ዝብልዎ “ናተይ ኣይህብን ናይ እንዳማተይ ውን ኣይድልን!” ዝብል ብሄራዊ ስምዒት ክትሕዝ ምኽኣልን ምትግባርን ማለት እዩ፡፡

ራብዓይ ነገር ከምቲ ኣብ ኣከባበራ መበል 35 ምሰረታ በዓል ብኣዴን ዝተርኣየ ገለ ስምዒታትን ግድፈታት ክእረም እንተዘይኪኢሉ ኣብ ቀፃሊ ጉዕዞና ዘይተደለዩ ንትርኻት ምፍጣሩ ኣይተርፍን፡፡ ምኽንያቱ ክሳዕ ቀረባ እዋን ኣንፃር ደርጊ ዝተገበረ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመታት ፀገማት ውን እንተበርዎ በዓል ዋንኡ ተፈልዩ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብዚ ምስረታ በዓል ዝተርኣየ ካብቲ ዝመፃእናሉ መንገዲ ፍልይ ዝበለ እዩ ኮይኑ፡፡ መብዛሕቲኦም ዓውደ ውግኣት (እቶም ካብ መሬት ትግራይ ወፃኢ ዝተኻዱ) ክትረኹ ከለኹ ቀንዲ በዓል ዋንኦም ህወሓት እንዳሃለወ ውን ኢህወደግ እንዳተብሃለ ይዝረብ ፀኒሑ፡፡ ኣብዚ ሞንጎ ዚ ግን ኢህዴን ፍሉይ ዋንነት ክልዕል እየ ካብ በለ ናቱን ዘይናቱን ክፈሊ ኣለዎ እምበር ከምዚ ዝተዓዘብናዮ ዝተሓወወስን ዝዋቓዕ ክኸውን የብሉን፡፡ ንዴሞክራስያዊ ሓድነት ኣልታዊ ፅልዋ ክፈጥር ስለዝኽእል፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝገለፅክዎ ህዝብታት በበይኖም ዝሰርሕዎ ታሪኽ ምጭፍልላቕ ጠንቂ ምርድዳእ ሰለዝኾነ፡፡

ሓምሻይ ነገር እዚ ዘለናሉ ዘመን እዋን ኢንፎርሜሽን ኮምዩኒከሽን ቴክኖሎጂ ምስምኻኑ እሞ ካብኡ ውን እቶም ተሰኒዶም ኣብ ዝተፈለለዩ መርብብ ሓበሬታታትን መኸዘኒ ማእኸላትን ዘለዉ ፊልምታት፤ ንቐፃሊ ዘይእርኑብ ምምሕያሽ ዝተጋለፁ እዮም፡፡ ንቐፃሊ ምምሕያሽ ዝተጋለፁ ምኻኖም ጥራሕ ዘይኮነ ከምድሌትካ ሰናኒዕኻ ናትካን ዘይናትካን ሓዊስካ ናብ ተዓዘብትን ሰማዕትን ንምብታን ቀለልቲ እዮም፡፡ ብስሩ ውን ክሰርቕ ንዘደለየ ብቴክኖሎጂ ንዓዓቶም ከምዝደልዮ እንዳኣረመ ክወሰዶም ቀለልቲ እዮም፡፡ እዚ ከኣ ንሪኦን ንዕዘቦን ኣለና፡፡

ሰለዚ ኣብቲ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፍኩም ኣመራርሓን ተጋደልትን ኣብ ውሽጢ ውድብ ሃልዉ ኣይትሃልዉ ነዚ ክተቓልብሉ ይግባእ፡፡ ንስኹም ህያው ምስክራት እቲ ታሪኽ ሰለዝኾንኩም ከይተሸራረፈ ተዓቂቡ ንወለዶታት ክሳጋገር ካብ ምስክርነት ክሳዕ ምስናድ እጃምኩም ክተወፍዩ ይግባእ፡፡

ኣብ መሓውራት ውድብን መንግስትን ንዘለኹም ከኣ ከምቲ ኣብ ፅምብል መበል 35 ዓመት ምስረታ ብኣዴን ተራእዩ ዘሎ ግድፈታት ብቐፃልነት ፀገማት ከይፈጥር ምእንታን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምዝርራብ የድሊ፡፡ ህዝብታት በበይኖምን ብሓባርን ዝሰርሕዎ ታሪኽ ከመይ ክስነድ ከምዘለዎ ምርድዳእ ክፍጠር ኣለዎ፡፡ እንተዘይኮይኑ ናይ ታሪኽ ጨረታ ብዘመስል ኣገባብ ቅጥዒ ዝሰኣነ እንተኾይኑ ኣብ ቀፃሊ ወለዶ ምኩርዃሕ ክፈጥር ይኽእል እዩ እንዳበልኩ ስምዕታይ ይገልፅ፡፡ ሰሚዕኩም ኣብ ግብሪ ከምውዕል ብምትእምማን ከኣ ኣቐዲመ ምስጋናይ ይብፃሕኹም እምብለኩም፡፡

ምስ ሰላምታ!

መሓሪ ዮሃንስ
ሕዳር 12/2008
መቐለ

*******************

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories