ህወሓት ናይ ውሑዳት ድሌት ዝዝውራ ውድብ ኣይትኸውንን

(ካብ ተጋዳላይ ካሕሳይ ቃሉ)

1/ መእተዊ

ካብ ታሪኽን ካብ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተሞክሮን ከምንዕዘቦ ህዝቢ ትግራይ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ወፅዓ ዘይፎቱ ንአድልዎ አምሪሩ ዝፀልእ ንዝኾነ ጉዳይ መዕቀኒኡ ፍትሒ እምበር ዘርኢን መንነትን ከምዘይኮነ እዩ፡፡ እዙይ አብ ናይ ነዊሕ ዘመን ታሪኹ ጎሊሁ ዝረአ ሓቂ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከምቶም ካልኦት ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብዛ ብደሙን ኣዕፅምቱን ከም ሃገር ጠጠው ክትብልን ታሪኻን ነፃነታን ሓሊያ ክትነብር ኣብ ምግባር ዘይትካእ ተራ ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ እዩ::ይኩን እምበር ብመንነቱ ክሐፍር ተፈቲኑ (ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱ ሓፊሩ ኣይፈልጥን ድኣ እምበር) ኣብ ርእሲ ዙይ ሰሪሑ ከይበልዕን ከይነብርን ብብሄራዊ መፅቀጥትን ብናይ ከባቢኡ ገዛእቲ ደርቢ እውን ኣብ ከርፋሕ ናብራ ክነብር ስለዝተገበረ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒን ማዕርነትን ስኢኑ ስለዝኾነ እውን መፍትሒኡ ቃልሲ ምኳኑ ኣሚኑ ንንውሕ ዝበለ ብተናፀልን ብዝተወደበን ዘካየዶ ቃልሲ እንትርፊ ዝገደደ መርገፅትን ጭቆናን ዘምፀአሉ ለውጢ ስለዘይነበረ ኣብዝተነፀረ መስመርን ውዳበን ኮይኑ ክቃለስ ወሲኑ ኣብ 1967 ዓ/ም ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ቃልሲ ዝጀመረ፡፡

ኣብዚ ትኹረት ዘድልዩ ነገር ምንም’ኳ ኣብ1967 ዓ/ም ኣብ ብዝተነፀረ መስመርን ውዳበን ይጀመር እምበር እቲ ቃልሲን ኣይጭቆንን ኣድልዎ ይወገደለይ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ይንገስ ዝብሉ ሕቶታት ማለት እውን ኣንፃር ብሄራዊ ጭቆናን ደርባዊ መፅቀጥትን ብተናፀልን በሓባርን ዝካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ቅድሚኡ ኣትሒዙ ምኳኑ ናይ ቀዳማይ ወያነ ምንቅስቓስ በምውሳድ ጥራሕ ምርአይ ይከኣል እዩ፡፡

ብህወሓት እናተመርሐ ድማ እንሆ ን41 ዓመታት ዝኣክል ኣድላይ ዝበሃል መስዋእትነት ኹሉ ኸፊሉ ቀዳማይ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ወዲኡ ሕዚ ድማ ከምቀደሙ ኣብቶም ዕላማታቱን መስመራቱን ፀኒዑ ካብኡ ዝድለ ኹሉ እናገበረ ቃልሲ ኣንፃር ድኽነት ካልኣይ ምዕራፍ ካብ ዝጅምር 24 ዓመታት ሓሊፉዎ ይርከብ፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ልዕሊ 4ዐ ዓመት ቃልሱ ካብ መጀመርትኡ ቅኑዕን ናብቲ ዝሓሰቦ ዘብፅሕ መስመር ሓንፂፁ ተቓሊሱ እቲ ቕኑዕ መስመሩ እንተይለቐቐ በቢእዋኑን በቢመድረኹን ዘጋጥሙዎ ዝነበሩ ዕንቅፋትን ፍሉይ ባህሪ ዝነበሮም ኩነታትን ብዕምቆት እናገምገመን በብቕዓት ከስግር ዘኽእሎ እዋናዊ ሕቶ ብዝግባእ ዝምልሱ ስልቲን ስትራቴጂን እናሓንፀፀ እዩ ኣብዚ ዘለናዬ ክበፅሕ ዝኸአለ፡፡Logo - Tigrai People Liberation Front TPLF [old and new logo]

ይኹን እምበር እቶም ብዕሊ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝቃወሙን ዝተፈለየ ናይ ባዕሎም ዕላማ ዘለዎምን ብግልፂ ዝወፁ ገዲፍና ሓደ ሓደ ምሁራትን ንህዝቢ ዝሓልዩ ዝመስሉን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምትኽኻእን ሰናይ ምምሕዳርን ዝረአዩ ዘለው ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ዘሎ ቅዋም ብዝተዛበዐን ነቲ ሓዱሽ ወለዶን ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ንኸበታትኽ ዝግበር ፃዕሪ እንትገብሩ ይረአ አሎ፡፡

ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ ድማ ነቶም ዝረአዩ ዘለዉ ፀገማት ገሊኡ ኮነ ኢሉ ንምዝባዕ’ሞ ገለ ትርፊ ንምርካብ ገሊኡ ድማ ብዘይፍላጥ መፍትሒ ከምዘይብሎምን ናይ ህወሓት ቐፃሊ ዕድል ኣፀልሚትካ ናይ ምርኣይን ደንገርገር ምባልን ዝመስል ነገር ስለዘሎ እንተወሓደ ነቶም ብዘይፍላጥ ዝደናገሩ ወገናት ዝተወሰነ ነገር ምባልን እቲ ኽሟጎት ዝደሊ ድማ ኣብ ንፁር ቅዋም ኮይኑ ሓሳብ ክህብ ምእንታን እዩ፡፡

ስለዝኾነ ናይቲ ውድብ ህዝባዊ መግለፂ ዝኾኑ ባህሪታትን ድሕረ ባይታን ብምርኣይ እቲ እቶም ሕዚ ዝረአዩ ዘለው ሽግራት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚን ተኽእሎን እንታይ ከምዝኾነ ንምርኣይን ህወሓት ከመይ ዝበለ ታሪኻዊ ጉዕዞ ከምዘለዎ ብግልፂ ንምርዳእ ክሕገዘና እቶም መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ዕላማታት፣ መስመር ቃልሲናን ቅንዕንኡን ስልቲታትን ስትራቴጂን ቃልሲናን አብ ቀዳማይን ካልአይን ምዕራፋት ከመይ ጌሩ ናብ ዓወት ከም ዝበፅሕ ንምርአይ ሕፅር ሕፅር ኢሎም ተቐሚጦም ኣለው:: ቀፂሉ እዚ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ (ኣብቲ ኣንፃር ድኽነት) ቃልሲ እቶም ዕላማታት፣ እቲ ህዝባዊ እምነትን መስመርን ናይ ህወሓት ኣብ ቦትኡ ምህላውን ኣፈላላዩ ታይ ምኳኑ ተቐሚጡ ኣሎ:: ካብዙይ ብምብጋስ ንምንታይን ብኸመይን ምትኽኻእ ይካየድ ዝብል መደምደምታ ተቐሚጡ ኣሎ:: ኣሰር/ሕድሪ መለስን ኩሎም ሰማእታትን ብፅንዓት ምኽታል ንምንታይን ኸመይን ከምዘድሊ ንምርኣይ ተፈቲኑ ኣሎ፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

2/ ዕላማታት ቃልሰ ህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጵያ/

እቶም ዕላማታት ናይቲ ቃልሲ ንንውሕ ዝብለ ዘመናት ኣብ መሬት ዝነበሩ ህዝቢ ትግራይ ይኹን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘልዕሎምን ብዝተፈላለዩ መልክዕ እንዳተቓለሰሎም ዝፀንሑ እዩም፡፡ ይኹን እምበር ኣብ 1967 ዓ/ም ዝተፈጠረ ሓዱሽ ነገር ነቲ ናይ ህዝቢ ሕቶ ብዝግባእ ገምጊሞም፣ ነቲ ናይቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ግብረ መልሲ ተዓዚቦም፣ ብኸመይ መፍትሒ ክርከብ ከምዝኽእል ሳይንሳዊ ዝኾነ ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ሓሳብ አምንጭዬምን ነዚ ድማ ተወዲብካ ምቅላስ ብሕታዊ መንገዲ ምኳኑ ኣሚኖምን ክቃለሱ ዝወሰኑ ምዑታት ደቂ ህዝቢ ተረኺቦም ዕላማን ኣካይዳን፣ ፀላኢን ፈታዊን ከምኡ እውን ደጋፊ ናይቲ ቃልሲ ኣነፂሮም እዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ብግልፂ ብምቕማጥ እዩ ተጀሚሩ፡፡

እቶም ዕላማታት ድማ፡-

– ምስረታ ህዝባዊ መንግስቲ ዝምልከቱ (ስልጣን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ህዝቢ ከኸውን)

– ማሕበራዊ ፍትሒ ምንጋስ

– ፍትሓዊ ናይ ሀፍቲ ኽፍፍል ክህሉ፣ መሬት ናይ ህዝቢ ከኸውን

– ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ክኽበሩ

– ኣብ ድሌትን ምፍቕቃድን ዝተመስረተ ሓድነት ክምስረት

– ብሄራዊን ደርባዊን፣ ናይ ሃይማኖትን ናይ ፆታን ማዕርነት ንምንጋስ

– ድኽነትን ድንቁርናን ጠፊኦም ኣብ ክንዶኦም ልምዓትን ዕብየትን ክረጋገፅ ዘኽእሉ ዕላማታት እዩም ኔሮም፡፡

እቲ ዝሕስብ ቃልሲ ምክያድን ስርዓት ምቕያርን እሞ ድማ ብዕጥቂ ዝግበር ብምኳኑ ደጋፊን ተቓዋሚን ኣሎ ስለዝኾነ ነዙይ ብንፁር ምፍላይ፣ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ንምቕናስ ኢሉ እውን ንምውጋድ፣ ኣብ መወዳእታ ብዓወት ንምዝዛም ዘኽእሉ ስነ-ሓሳብ(መስመር)፣ ናይቲ ቃልሲ ኣካይዳ ዝውስኑ መርገፂታት/መትከላት፣ስልቲን ስትራቴጂን ብንፁር ምቕማጥ ቆፀሮ ዘይወሃቦም ጉዳያት ኔሮም፡፡

እዚኦም ድማ ህወሓት ካብ ሰናይ ጊሓቱ ቕኑዕ ዕላማ ምሓዝ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተማለአ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ ዘይተርፍ ዓወት ከምተምፅእ ዘመላኽቱ ኔሮም፡፡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ብዝተወደበ መንገዲ ክቃለሱ ነፍጢ ኣልዒሎም በረኻ ካብ ዝኣተው ሓይሊታት ዝፈልያ ዓብይ ነጥቢ ድማ ኔሩ፡፡ ካብ መጀመሪያኡ፡-

1. መልክዕ ናይቲ ቃልሲ ብሄራዊ ውዳበ እዩ:: ይኹን እምበር ኣብ ሃገርና (ኢትዮጵያ) ኣበቲ ዝበዝሐ ከባቢ ዝለዓለ መቃለሲ ብሄራዊ መልክዕ እኳ እንተኾነ ሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ሒዙ ክቃለስ ዝኸእል ክፋል ሕ/ሰብ ከምዘሎ ብዝግባእ ዝኣምን መርገፂ ኔርዎ

2. ኣገባብ ቃልሲ ዝተናወሐ ናይ ገጠር ዕጥቂ ቃልሲ ክኸውን ከምዝግበኦ

3. ንፁር ኣሰላልፋ ሓይሊታት ዘቕመጠ፡-

4. ናይቲ ቓልሲ መስመር/መትከል፡- ወያናይ ዲሞክራሲያዊ መስመር ከምዝኾነ

5. ስልቲን ስትራቴጂን ናይቲ ቃልሲ እቲ ውድብ ናይ እማን ተምሃራይን ብዘይምቁራፅ ዝዓቢን ምስ ኩነታትን ነቲ ኩነታት ዝምጥን ኣካይዳ ዝነበሮን ዘለዎን እዩ፡፡

– ቀንዲ ፀላኢ ደርጊ ስለዝኾነ ምስ ፀረ-ደርጊ ሓይልታት ክንዲ ዝኸኣልናዩ ሓቢርና ንደርጊ ንድምስስ ኣብ ዕላማን ስትራተጂን ሓድነት ዘለና ሓይልታት እስካብ ስሙር ግንባርን ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባርን ምምስራት ዝኸይድ ዝምድና ይህልወና፡፡

– ኣብ ወመዳእታ ምስ ኩሎም ሓይሊታት ብሰላማዊ መንገዲ ዕላማና ናብ ህዝቢ ኣቕሪብና ህዝቢ ክፈርደና ምግባር ኩሉ ምንቅስቃስን እንገብሮም ውግኣት እውን ሓዊሱ ሰላም ንምምፃእ ይኸውን ምኽንያቱ ህዝቢ ዝመሰሎን ዝኣመነሉን ዝውሰን ሰላም እንተለዩ ጥራሕ እዩ ዕላማና እውን ብሰላም ጥራይ እዩ ብሙሉእነት ዝዕወት፡፡

– ኩሎም ሓይሊታት ዕላማናን መስመርናን ፈሊጦምን ተረዲኦምን ኣብ ጎኒና ይሰለፉ እቶም ምሳና ዘይኸዱ እውን ከምኡ ብዕላማና፡፡ ካብዚ ወፃኢ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ርክብን ዝምድናን ኣይህልውናን ዝብል ስትራተጂ ተሓንፂፁ እዩ እቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ቃልሲ ብዓወት ተዛዚሙ እቲ ጉዕዞ ድማ ኣብቶም ዝተነፀሩን ዕላማታትንመስመራትን ከምኡ’ውን ኣብቶም በቢመድረኹ ነቲ ጭቡጥ ኩነታት እናጠዓዓሙ ዝሕንፀፁ ዝነበሩ ስልቲታትንስትራቴጂታትን ብፅንዓት ኩሉ ኣሚኑሎም ተግባራዊ ጌሩዎም ተዓዊቱ፡፡

እዚ ኣብ መወዳእታ ዝተረኽበ ዓወት ግን አልጋ ብአልጋ ወይ ድማ ፍፁም ጌጋ ዘይነበሮ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ናይ አረኣእያን ነቶም ዕላማታት ንምዕዋት ኣብ እንኽተሎም ኣግባባትን በቢእዋኑ እናተአረሙ እናፀፈፉን እዮም ኬዶም ካብ መስራቲ ጉባኤ ጀሚሩ ቀዳማይን ካልኣይ ጉባኤታት ብኣውርኡ ድማ ኣብ ናይ 10 ዓመት ጉዕዞ ሰፊሕ ገምጋም (ደውታን ምቁልቋልን ተባሂሉ ዝተገምገመ) ኣብ ዝተኻየደ ውድባዊ ኮንፈረንስ ሰፋሕቲ ሙጉትን ክትዓትን ዝተገበረሎም መስመር ናይ ምፅራይን ቅድሚኡ እውን ሕንፍሽፍሽ ንምቅላስን ድሓር ኣብ 1982ዓ/ም ናብ ማዕኸል ሀገር ምስኣተና ዝተልዓለ ሕቶን ዝነበሩ መድረኻትን ዝተኻየዱ ቃልሲታት ተጠቀስቲ እዩም::

ብፍላይ ከዓ ኣብ 1977 ዘጋጠመ በቲ ሓደ ገፅ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝነበረ መስመርን ስትራተጂን ናይ ምፅፋፍን ምፅራይን ፈታኒ ቓልሲ በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ህዝቢ ትግራይ ተፈጥሮ ገፃ ዓፂፋትሉ ሓያል ድርቂ ዝተርኣየሉ ነዚ ኩነታት እዚ ተበሊፁ ደርጊ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ሎሚ ረኸብኩዎ ካብ ዝብል ናይ ብርሰት ኣተሓሳስባኡ ወራርን ሰፈራን ብስፍሓት ኣብ ዘካይደሉ እዙይ ከየኣክል ሻዕቢያ እውን ብግዲኦም መንገዲ ኣፅዮም ኣደዳ ነፈርቲን ጥሜትን ዘገበሩዎ ኮታስ እቲ ውድብን ህዝቢን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወደቕሉ ዓመት ኔይሩ:: ነዚ ኩነታት’ዚ ምሕላፍ ናይ ዓወትን ውድቀትን ሕቶ ድማ ነይሩ:: በቲ ናይቲ ህዝቢ ፅኑዕ ናይ ቃልሲ ወነን ኣይምበርከኽን በሃላይነትን ውሕሉል ህዝባዊ መስመርን ድማ ተሰጊሩ (ዝነበሮም ኣካይዳን ዲሞክራሲያውነትን ከምኡ’ውን ፅንዓት ህዝብን ተጋዳላይን ዝመፀ ለውጢን ንምርኣይ ዶኩሜንታት ናይቲ ውድብ ምርኣይ ይከኣል እዩ)፡፡

ኣብቲ ከይዲ እቲ ቃልሲ ካብ መጀመሪያኡ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝካየድ ኮይኑ ዝተጀመረ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ናተይ ኢሉ ዝተቐበሎን ህዝቢ ዘይቕበሎ ስራሕ ብፍፁም ዘይሰርሕ ውድብ ስለዝነበረን ውድብ ማለት ህዝቢ፣ ህዝቢ ማለት ድማ ውድብ ምንም ክፍለ ዘይኽእል ማይን ፀባን ክኸውን ዘኽእል ውድብ ኔሩ ሕዚ ውን እዩ:: ምንም ነቓዕ ዝበሃል ነገር የለን ከቕፅል እዩ ድማ፡፡

ኣብቲ ቃልሲ ናይ ህወሓት መርገፂ ብብዙሕ ኣጋጣሚታት ተፈቲኑ ዝሓለፈ እዩ ካብኣቶም ክልተ ጥራሕ ንምጥቃስ እቲ ሓደ ኣብ 1969ዓ/ም ሶማሊያ ንኢትዮጵያ ኣብዝወረረትሉ እዋን በዓል ኢህአፓን ህግሓኤን (ሻዕቢያ) እቲ ወረራ ንደርጊ የዳኽሞ እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡ እንትድግፍዎ ህወሓት ግን ሃገር እናተወረረት ንወራሪ ዝድግፈሉን ከም ፅቡቕ ኣጋጥሚ ዝሪአሉ ቅዋም ኣይነበሮን:: ካልኣይ ኣብ 1981 ዓ/ም ናይ ደርጊ ላዕለዎት መኮነናት መንግስቲ ናይ ምዕላው ሙከራ ጌሮም ንህወሓት ድጋፍ እንትሓቱ ሻዕቢያ(ድጋፍ ዘይተሓተቱ እናሃለው) ዓይኖም እንተይሓሰዩ ድጋፎም እንትገልፁ ህወሓት ግን ስርዓት ብዕልዋ መንግስቲ ኣይቕየርን ብስሩ እውን እቲ ምንቅስቃስ ብላዕለዎት መኮነናት ጥራሕ ዝግበር ዘሎን ነቲ ታሕተዋይ(መላእ ሰራዊት) ዘይሓውስ ስለዝኾነውፅኢቱ ድማ ናይ ህዝቢ ናይ ቃልሲ ወነ ምስባርን ካሊእ ደርጊ ምፍጣርን እዩ ዝኸውን ብምባል ድጋፍ ከምዘይህብ መርገፂኡ ግልፂ ጌሩ:: ስለዝኾነ እቲ ቓልሲ ምስዝነፈሰ ዝነፍስ ናይ በለፀኛታት ቅዋም ዝነበሮ ከምዘይኮነ ብግልፂ የርኢ፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ እቲ ውድብ ምስቲ ዝተቓለሰሉ ህዝቢ ማይን ፀባን ክኸውን ዘኽእሎን ንቐፃሊ እውን ክቕፅል ዘለዎን ብፍላይ ድማ ድሕሪ ገምጋም ጉዕዞ 10 ዓመት (ኣብ መወዳእታ 1977ዓ/ም) ጎሊሁ ዝወፀ መርገፂኡ ብዋናነት መለለይ ባህሪ ህወሓት ተጌሩ ኽውሰድ ዝኽእል “ኣብ ዝኾነ እዋንን ኹነታትን ዕላማና፣ መስመርናን መርገፂታትናን ብግልፂ ኣውፂእና ኢና እንቃለስ፣ ካብ ህዝብናን ፈተውትናን ደገፍትና ይኹን ካብ ፀላእትና ዝሕባእን ዝኽወልን ነገር ክህልወና የብሉን” ዝብል ፅኑዕ እምነት ብምሓዝ ብሓቂ እውን ምስኩሎም ሓይሊታት ክህልዎ ዝኽእል ዝምድና ኣብ ንፁር ቅዋም አፈላላዩን ሓድነቱን ነፂሩ ዝቐርብ ውድብ እዩ፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ነቲ ዕላማ ዝድግፍን በፍላይ ድማ እቲ ህዝቢን ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታትን ብልቦም ክቕበልዎን ክኽብርዎን ነቲ ቃልሲን ዕላማን ዘይድግፉን ዝቃወሙን ድማ ሓቢሮም ክሳብ ክኸድዎ ዝኽእሉ ርሕቐት ሓቢሮም ክኸዱ ኣብ ዘራኽቦም ሓቢሮም ክሰርሑ ኣብ ዘፈላልዮም ድማ ክቃለሱ ሃጥ እንተበለ ድማ ፀግዖም ክሕዙ ዘኽእል ኣሰላልፋ እንተይሓዋወሰ ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን ውድብ እዩ፡፡

በዚ ኣግባብ እዚ ኣብ መጨረሻ 1983 ዓ/ም ደርጊ ምስተደምሰሰ ህወሓት /ኢህወደግ ንሰላምን ናይ ህዝቢ ውሳንነትን ካብ ዘለዎም ፅኑዕ እምነትን መትከልን ንኹሎም ዝተዓጠቑን ዘይተዓጠቑን ንኢትዮጵያ ንቃለስ ኢና ዝብሉ ወላ እውን ነቶም ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ከጥፍኡዎ ሓሲቦም በኲናት ዝሰዓሮም (ኢድዮን ኢህኣፓን ሓዊሱ) ኣብ ናይ ሰላም ኮንፈረንስን ኣብ መድረኽ ሽግግርን ክሳተፉ ዓዲሙ ብሰላማዊ መንገዲ ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም ህዝቢ ክፈርዶም ፃውዒት አቕሪቡሎምስ እቲ አካይዳ ዝተረደኦምን ዝመረፁን አትዮም ዘይተረደኦምን ዘይመረፁን ቐርዩም ፡፡ በዚ አገባብ እዚ መድረኽ ቐዳማይ ምዕራፍ ቓልሲ ብዘኹርዕ ኣገባብ ተዛዚሙ፡፡

3/ ምትኽኻእ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ፡-

ኣብ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኮይና ምትኽኻእ ክንብል ከለና እቲ ውድብ ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚን ናይ ፅባሕን ክኸውን ዘኽእሎ ናይ ወለዶ ምትኽኻእ ማለትና ምኳኑ ግልፂ ምኳን የድሊ፡፡ በዚ መንፅር እዚ ኣብቲ ውድብ ምትኽኻእ እንብሎ ዘለና እቲ ዝተጀመረ ቃልሲ ብሓደ ግዘ ዝውዳእ ዘይኮነስ ብናይ ወለዶታት ዕድመ ዝሳኻዕ ዕላማ ዝሓዘ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ድማ ሰባት በቢመዓልቱ ብመስዋእቲ ዝፈልዩሉ መድረኽ ስለዝነበረ መን ይስዋእ መን ስጋብ ዓወት ይፀንሕ ኣይፈልጥን፡፡እቲ መስዋእቲ ድማ ከከም ኣመፃፅኣካ እውን ኣይኮነን ማለት ቀዲሙ ዝተቓለሰ ቀዲሙ ይስዋእ ዝዓይነቱ ኣይነበረን ብኣጋጣሚታት ዘጋጥም እዩ፡፡ ናይ ዕድል እውን ኣይኮነን እቲ ዕድል ኣብቲ መስመር ፀኒዕኻ ምቅላስ ስለዝኾነ፡፡

ስለዝኾነ ምትኽኻእ ባዕሉ እቲ መስርሕ ናይቲ ቓልሲ ዝፍጠሮን ኣብ ውዑይ ናይ ቓልሲ መስርሕ ምጉዳልን ምምላእን እዩ ኔሩ፡፡ እቲ እምነት ናይ ኩሉ ተጋዳላይ ግን እቶም ጀመርቲ ቓልሲ ምጅማሮም፣ እቲ በቢግዚኡ ዝተጋደለ ድማ እቲ ቃልሲ ምቕፃሉን መወዳእታ ድማ ከምዝዕወት ርግፀኛ ኔሩ እምበር ስጋብ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ንኽንደይ ሰዓታት በህይወት ከምዝፀንሕ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ ተጋዳላይ ተሰዊኡን ቖሲሉን ተሰንኪሉን ዝኾነ ዓይነት ዝተሓተቶ ኩሉ ጌሩስ እቶም ዕላማታት ክዕወቱን እቲ ህዝቢ ክሓለፈሉ ፅኑዕ እምነትን ድሌትን ከምዘነበሮ በዞም ዝስዕቡ ዝውትራት ኣበሃህላቱን ተግባራቱን ምርኣይ ይከኣል:-

1. እቲ መጀመሪያ ቃልሲ ንምጅማር ናብ በረኻ ካብ ዝወፁ ገሊኦም ናብ ኤርትራ ኸይዶም ኔሮም ኣብ ታዕሊም እናሃለው ኣብ ሓደ እክብ ኢሎም እንተዋግዑ ተጋዳላይ ሙሴ ከምዚ ኢሉና ይብሉ፡፡

‘’ኣብዚ ካብ ዘለና ብፆት ዓወትና ዝሪኡዎ ውሑዳት ክህሉው እዩም መብዛሕትና ግን ዘይክንሪኦ ንኽእል ኢና’’ ኢሉ ኔሩ፡፡

2. ብኻሊእ ግዜ ብተመሳሳሊ ተጋዳላይ ኣፅገባ ካብ ዝበሎ ‘’ኣንቱም ብፆት ኣብዚ ካብ ዘለና ኣብ ዓወት ዝበፅሕ ተጋዳላይ ክህልወና እዩ ሽዑ ዓወት ረኺብና ሰላም ምስኮነ ቤተሰብና ንዓና ክእልሹ ክመፁ እዩም እከለ ኣበይ ኣሎ እከለ ኣበይ ኣላ መቓብሮም ከ ኣበይ ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ከጨናንቑና ይኽእሉ እዮም ኣነ እሞ ካብዚኦም ክኸውን ኣይደልን ’’ ኢሉ ኔሩ፡፡

3. ሓደ እዋን ብሉፅ መራሒና (ከም ኣገላልፃ ሱዛን ራይሰን ካልኦት ወፃእተኛታት ‘World class mind’ extra ordinary) ተጋዳላይ መለስ ‘’እቲ ቃልሲ ናይ ማራቶን ጉያ ዘይኮነስ ናይ ዱላ ቅብብል እዩ’’ ኢሉ ገሊፅዎ እዩ፡፡

4. ብዋንኡ ድማ ኩሉ ተጋዳላይ ተወጊኡ ተሓከም ተባሂሉ እኳስ ጠቕሊሉ እንተዘይደቂሱ ሻሽ ኣሲሩን ምርኩስ ሒዙን ካብ ሆስፒታላት እናጠፍአ ናብ ውግእ ምኻድ ልሙድን ባህሪን ተጋዳላይ ኔሩ፡፡

ብኸምዚ ዝበለ እምነትን ኣረኣእያን ዝሓለፍ እና ሓለፈ እቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ብኻሊእ እናተተከአ እዩ መፂኡ፡፡ ኣብዚ ልቢ ክበሃል ዝግበኦ እቲ ዝትክእ ሰብ ነቲ ዝትክኦ ዘሎ ሰብ ካብ መጀመርትኡ ክንድኡ ዝኣክል ዓቕምን ብቕዓትን ኔርዎ ማለት ኣይኮነን ኣብቲ ዕላማ፣ ህዝባዊ ፍቕርን መስመርን ዝነበሮ እምነትን ፅንዓትን ኣይፍለን እምበር:: እዙይ ስለዝነበረ ናብቲ ጭቡጥ ስራሕ ምስኣተወ ድማ ብተግባር እናዓበየን እናበቕዐን ምስ ዘዝመፀ መድረኽ ዝሓሸ ዓቕሚ እናጥረየ እዩ ዝኸይድ ኔሩ፡፡

ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ምትኽኻእ ብመስዋእቲ ጥራሕ ኣይኮነን ይግለፅ ኔሩ ብዓቕሚን ብቕዓትን እውን እቲ ውድብ ካብ ዝምስረት ስጋብ ዓወት ናብ ሓሙሽተ ዝኣክል ኣቦ ወንበራት ቐይሩ እዩ (ስሑል) ብመስዋእቲ ፣ በሪሁ ፣ኣቦይ ስብሓት ፣ኣባይ ፀሃየን መለስን) በብእዋኑ ነቲ ውድብ መሪሖም እዩም፡፡

ከምዚ ዝበለ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ እዩ ዝካየድ ኔሩ እሞ ድማ እቶም ቀዲሞም መራሕቲ ዝነበሩ አብዚ ሕዚ እዋን ካባይ እከለ ይሐይሽ እናበሉ ብግልፂ ዝቐርቡሉ ዝነበረ ኩነታት እዩ ኔሩ:: ኣበቲ መድረኽ እዚ ምግባር ጥራሕ እዩ ዝከኣል ዝነበረ፡፡

ኣብዚ ጠቕላላ ጉዕዞ ዘይተቐየሩ ነገራት ግን ህዝቢ (ህዝባዊ ፍቕሪ)፣ ዕላማን መስመርን እዩም እዚኣቶም ሰለስቲኦም ዝጨበጠ ሰብ ጥራሕ ድማ እዩ እታ በትሪ ወያነ (በቲ ናይ ሹዑ ኣበሃህላ) ዝቕብል ኔሩ፡፡ እዚኦም ምቕያር ማለት ባዕላ ህወሓት ናብ ካሊእ ምቕያር እምበር ስጋብ ዓወት ምቕፃል ስለዘይኮነ፡፡

4/ ኣሰር/ርጋፅ/ሕድሪ (Legacy) ስውኣት

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኩሉ ናብቲ ቓልሲ ዝተሓወሰ ሰብ እቶም መስረቲ እውን ሓዊሱ ምቅላሱን ኣብቲ ቕኑዕ መትከል ክስዋእ ከምዝኾነ ግን ድማ እቲ ቓልሲ ከምዝዕወት ርግፀኛ ኾይኑ እዩ ዝጋደል ኔሩ፣፣ ነዚ እውን እዩ “ቓልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ” ዝብል ጭርሖ (Motto) ናይ ኩሉ ፅኑዕ እምነትን ከም ቃልኪዳን ኮይኑ ዘገልገለ፡፡

ስለዝኾነ ኩሉ ተጋዳላይ ካብቶም ቅድሚኡ ዝተጋደሉ ኾነ ብጀግንነት ኣብ ቅድሚኡ ዝሓለፉ ጀጋኑ ብፆቱ ጀግንነት (ውፉይነት)፤ ፅንዓት፤ ናይ ህዝቢ ፍቕሪን ሓልዮትን፤ ብፃይነት፤ ቅንዕና፤ ኣፈታትሓ ፀገማትን ጎንፂን ካልኦት ናይቲ ቓልሲን ምግዳልን መግለፂ ዝነበሩ ባህሪታት ብዝተማለአ መንገዲ ቀልጢፉ ይወርሶምን ይትግብሮምን ኔሩ፤ እቶም ባህሪያት ምውራስን ምትግባርን ብሓፈሻ ንኹሉ ዝገልፅ ኮይኑ ብዙሕ ተጋዳላይ ድማ ነናይ ባዕሉ ብቐረባ ዝፈልጦን ብጣዕሚ ዘድንቖን ኣብነት (Roll Model) ኔርዎ እዩ:: ካብ ገሊኡ ጀግንነቱን ውፉይነቱን፣ ካበ ገሊኡ ኣተዓጣጥቕኡን ቁመንኡን፣ ካብ ገሊኡ ብፃይነቱን ቅንዕነኡን፣ ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፂን ፀገምን ኮታስ ኩለን እተን ፅቡቓት ባህሪታት(ሕመቓት እንትርኢ እናነቐፈን እናተቓለሰን) እንተኽኢሉ ካብ ሓደ ሰብ እንተዘየለ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ፀፅቡቓተን እናወሰደ ናይ ባዕሉ ይገብረን ኔሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምቲ ብሉፅ መራሒና ስውእ ተጋዳላይ መለስ ዝበሎ ንሱ ኣበቲ ቓልሲ ስካብ ዝቐፀልን እቲ ቓልሲ በቲ ዝተቐመጠሉ ኣንፈት ስካብ ዝቐፀለን ኣይሞቱን ህልዋት እዮም ኢሉ ብፅንዓት ይኣምን ነይሩ::

ኩሉ ተጋዳላይ ንስውኣት ካብ ዝነበሮ ዝለዓለ ኽብሪን ፍቕሪን ድማ “ስጋ ብፆት/ስጋ ስውኣት መሓልኡ፣ ብኣዕፅምቲ ብፆት መገዘቲኡ፤ አሰር/ርጋፅ ብፆተይ የርግፀኒ ተምኒቱ፤ ሕድሪ ስውኣት ኣይነዕብርን ጭርሑኡ፤ ወዲ ህውሓት ፈኸርኡ” ከምዝነበረ ኹሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፣፣ እዙይ እዩ እምበኣር እብቲ ናይ 17 ዓመት መሪር ቓልሲ እቲ ጀግንነት፤ ብፃይነት፤ ህዝባዊ ፍቕሪን ካልኦት መለለዪ ባሕሪያት ተጋዳላይ ህወሓት ብዝኾነ ምኽንያት እንተይተሸራረፈ እናተመሓለፈ ዝመፀን ናብ ዓወት ዘብፀሐን::

5/ ራዕይ (Vission)

ኣብ ሓደ ዝተወሰነ እዋን/መዋእል ክትበፅሖ ዝድለ ነገር ክብፃሕ ዝኽእል (Reachable) ጥቕሉል ሓሳብ (Statement) እዩ: ማለት’ውን እቶም ነዚ ንምምፃእ ዝተትሓዙ ዕላማታት እንትዕወቱ ከለው ከመይ ዝበለት ሀገር እያ ክትህልወና ተባሂሉ ካብቶም ምዕዋቶም ርግፅ ዝኾነ ዕላማታት ተላዒልካ ከምዝርከብ ርግፀኛ ኮይንካ ተኣማሚንካ እትሕዞ እዩ:: ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝነበረ ናይ ኹሉ ተጋዳላይ ተምኒት “ኩሎም ረብሓታትና ደርጊ ብምድምሳስ ይረጋገፁ” ብዝብል ኔሩ ዝግለፅ ዝነበረ:: እቲ ተምኒት ግን ናይ ቀትሪ ሕልሚ ወይ ዘይጭበጥ ተስፋ ዘይኮነስ ዝጭበጥን ዝተነፀረ መንገዲ ዝሓዘ እዩ ኔሩ ተረጋጊፁድማ::

ብምጥቕላል ኣብቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ናይ ዕጥቂ ቓልሲ ካብ መጀመርትኡ ትኽክለኛ ናይ ህዝቢ ሕቶ ብፅንዓት ተፈልዮም መልሶም ብንፁር ተቐሚጡ፣ ዕላማታት ተነፂሮም፣ መልክዕን አካይዳን ናይቲ ቓልሲ ብጥንቃቐ ተመሊሱ፣ እቲ ጉዕዞ ነዊሕን መሪርን ብምዃኑ ብዙሕ ናይ ህይወትን ንብረትን መስዋእትነት ከምዝሓትት ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝጀመረ ዝውድኦ ዘይኮነስ ብቕብብል ዝካየድ ከምዝኾነን ኣብ መወዳእታ ይንዋሕ ይምረር እምበር ዓወት ግን ዘይተርፍ ምዃኑ ናይ ኩሉ ሰብ እምነት እዩ ኔሩ፣፣ ነዙይ እውን እዩ

መስመር እዩ ሓይልና

ህዝቢ እዩ ሓይልና

ውይከ ኣይንምብርከኽን

ወይከ ኣይንሰዓርን

ተዓወቲ ኢና::

ዝብል ብጣዕሚ መሳጣይ መዝሙር ኹሉ ተጋዳላይ ዝዝምር ዝነበረ:: እቲ ቓልሲ በቶም ፊት ንፊት ፀላእቲ ተባሂሎም ዝተፈልዩ ብዝገጥሞ ውግእ ዘይኮነስ ብኣብ ውሽጡ ዘጋጠምዎ ናይ መስመርን ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላያት (ከም እዋን ሕንፍሽፍሽ፣ ናይ 1977 ደውታን ምቁልቋልን ናይ 1982 ናይ ማእኸል ሀገር ጉዕዞን) እዩ ናብ ኣፍደገ ውድቀት ከብፅሕ ዝኽእሉ ውሽጣዊ ፈተናታት ዘጋጥሞ ዝነበረ:: እቲ ህዝባዊ ባህሪኡ፣ እቶም ዕላማታትን እቲ መስመርን ኣስጢሙ ብምሓዝ ድማ ብውሽጣዊ ቓልሲን ፅሬትን እናተጠናኸረ ዝሓልፎም ዝነበረ::

እዙይ ጥራሕ ግን ኣይነበረን ንውሽጣዊ ሽግራት ብምይይጥን ክትዕ እናሸነፈ እንትመፅእ ነቶም ቀንዲ ፀላእቱ መስፍንነት፣ ቢሮክራሲያዊ ርእሰ-ማልነትን ሃፀይነትን ድማ መሬት ብምምቃልን ኣብ ዓውደ ውግኣት ብምስዓርን ጥራሕ ኣይኮነን ክስዕሮም ዝኸኣለ:: ከምቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ፀረ ኪራይ ኣካብነት፣ ፀረ-ኣኽራርነት፣ ፀረ ትምክሕቲን ፀቢብነትን ካልኦት ድሑራት ኣተሓሳስባትን ዕንቅፋታትን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ቓልሲ ሽዑ እውን ፀረ ኩሎም መስፍንነት ዝውለዶም ድሑራት እምነታትን ልምድታትን ትምክሕቲን ፀቢብነትን ካልኦት በቢእዋኑ ዝረአዩ ዝነበሩ ድሕረታትን ካብ ልቢን ኣተሓሳስባን ሕ/ሰብን ተጋዳላይን ብምውጋድ እውን እዩ ዝሰዓሮም:: ብፍላይ ከዓ መስፍንነት መሬት ብምምቃልን ንኢድዩ ብውግእ ብመስዓርን ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ኩሎም ድሑራትን መስፍናዊ ኣተሓሳስባትን በቲ ዝተኻየደ ህልኽ ዘውድእ ናይ ኣተሓሳስባ ቓልሲ እውን’ዩ ካብ መላእ ትግራይ ዝተነቐለ::

እሞ እዙይ ኣብቲ ካልኣይ ምዕራፍ ቓልሲ ከመይ ይኸይድ ኣሎ? እቶም ዕላማታት፤ እቲ ህዝቢ፤ እቲ መስመር ኣብ ቦትኡ ኣሎ ዶ? ናይቲ ቓልሲ ስልቲን እስትራተጂን ከ? ናይ ቕብብልን ሕድሪ ስውኣት ኣብ ዘይምዕባር ከ ከመይ? አሰር (LEGACY) ራዕይ (VISSION) ኣብዚ እዋን ከመይ እዮም ዝትግበሩ ዘለው? ብስሩ ኸ ህወሓት ከመይ ኢና ክንመዝና ዘለና? ዝብሉ ሕቶታት ቐፂሉ ከምዝዕብ ቐሪቡ ኣሎ::

6/ ካልኣይ ምዕራፍ ቓልሲ (ቓልሲ ኣንፃር ድኽነት)

እቲ “ቓልሲና ነዊሕን መሪርን’ዩ ዓወትና ናይ ግድን’ዩ” ተባሂሉ ዝተጀመረ ዝተናወሐ ናይ ገጠር ዕጥቃዊ ቓልሲ ናይ ብዙሓት ህይወት በሊዑ፣ ብዙሕ ንብረት በሪሱ፣ ብዙሓት ቑሸታት ባዲመን ኮታስ ወዲ ሰብ ክፃወሮ ካብዝኽእል ንላዕሊ ሽግራትን መሪር ደማዊ ውግኣትን ብዓወት ወያናይ ዴሞክራሲውያን ሓይልታት ተዛዚሙ::

እቲ ዘብዒ ድኽነትን ድሕረትን ወኪል ናይ ኩሎም ዓይነት ምድሕርሓራትን ዝነበረ ስርዓት ከም ስርዓት (እቶም ኣብቲ ሕ/ሰብ ዝነበሩ ድሑራት ኣተሓሳስባትን እምነታትን ገና ብርቱዕ ቓልሲ ይሓቱ እዮም) ከምዘይምለስ ተወጊዱ፤ ኩሎም ህዝቢታት ሀገርና ፍትሓዊ ስርዓት ዝምስርትሉ፤ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላቶም ብዘይገደብ ዝኽበረሉን፤ ስልጣን ናብ ኢዶም ዝኣትወሉን ዕድል ተመዓራርዩ፤ ብሓፈሻ እቲ ቓልሲ ብቐጥታ/ፊትንፊት ኣንፃር ድኽነት ክኸውን ዘኽእል ኩነታት እዩ ተፈጢሩ::

ስለዝኾነ እውን ናብ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ መድረኽ ቓልሲ ምጅማሩ ዘብስር ዓወት ኔሩ እምበር እቶም ዕላማታት ናይ መወዳእታ ሽቶኦም በፂሖም ኣይተብሃለን::

ህወሓት/ኢህወዴግ ቅድሚ ደርጊ ምድምሳሱ ድሕሪ ዓወት እንታይ ዓይነት ኩነታት ክህሉ ከምዝኽእልን በኸመይ ክተሓዝ ከምዘለዎን ኣነፂሮም እዩም:: በዚ ድማ ኣብታ ሀገር በቲ ሓደ ገፅን እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ዝኸውን ኣብቲ እዋን ብዙሓት ዝተፈላለየ ዓላማ ዘለዎም ዝተዓጠቑን ዘይተዓጠቑን ውድባትን ዝተፈላለዩ ንፍትሒን ዲሞክራሲን በዝተፈላለየ ኣግባብ ዝቃለሱ ውልቀ ሰባትን ብሰላማዊ መንገዲ ዝሳተፉሉ መድረኽ ክኸውን ምግባር ከመዘድሊ፤ በቲ ኻሊእ ገፁ ድማ ኣብታ ሀገር ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርግጋእ ስጋብ ምብታን ከብፅሕ ዘኽእል ሓደጋ ከምዘሎ:: ዝብሉ ክልተ ዓበይቲን ትኹረት ዝሓቱ ሓደጋታት ከምዘጋጥሙን ነዚኦም ብትኹረትን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ምእላይ ከምዘድሊ ብንፁር ተቐሚጦም::

እቲ ዋርዲያ ድኽነትን ድሕረትን ዝነበረ ስርዓት ተወጊዱ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንሓድነቶም፤ ንፍትሒን ማዕርነት ዝትኩስዎ ጥይትን ዝኸፍሉዎ ናይ ህይወት መስዋእቲ ከምዘይህሉ፣ ክፉእ መልክዕ ናይ ጦርነት ድማ ፋይሉ ተዓፅዩ::

ድሕሪ ሕዚ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረት ሓድነቶም ዝጠናኸረሉ፣ ፍትሒን ማዕርነትን ዝነግሰሉ፤ ዲሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላቶም ብዘይ ምግዳብ ዝኽበረሉ፣ ብብሄራዊ መንነቶም ዘይሸቑረሩሉ፣ ብጉልበቶም፤ በፍልጠቶምን ብገንዘቦምን ሰሪሖም ሃፍቲ ዘጥርይሉን ዝልወጥሉን ብሓፈሻ ኩሎም ብሄርን ብሄረሰብን ህዝብታት ብፃዕሮም ናትና ዝብልዎ ስርዓት ዘለዋ ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል ኩነታት ተፈጢሩ::

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ጊዜ ግን ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ጊዜ ዘይህቡ ኔሮም እቲ ሓደ ሀገር ካብ ብተና ምድሓንን እቲ ካልኣይ ድማ ቀፃሊ ናይ ቃልሲ አንፈት ምንፃርን እዮም ኔሮም::

ስለዝኾነ’ውን ፅባሕ ምድምሳስ ስርዓት ደርጊ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኩሉም ሓይሊታት ዝሳተፉሉ ኮንፈረንስ ብምፅዋዕ ናይ ሽግግር መንግስቲ ምምስራት ተኻኢሉ:: እዚ ድማ ነታ ሀገር ካብ ምብታን ምድሓኑ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ ተረጋጊዑ ናይ ባዕሉ ስርዓት ንምምስራት ዘኽእሎ ጊዜን ዕድልን ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ኣብ ሀገርና ንፍትሒን ማዕርነትን፣ ንዲሞክራሲን ልምዓትን ተባሂሉ ደም ምፍሳስ ከምዘየድሊን ብሰላማዊ መንገዲ ተወዲብካ ይኹን ብተናፀል ምቅላስ ከምዝከኣል ኣብ ታሪኽ ሀገርና ንመጀመርታ ግዜ ዘበሰረ ታሪኻዊ ኩነት እውን ነይሩ:: በዚ ድማ እቲ ህዝቢ ባዕሉ በስፍሓት ዝተማየጠሉን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ወከልቱ ብምልኣኽ ብዘካየዶ ጉባኤ ሕገ-መንግሰቱ ኣፅዲቑ::

ድሕሪ ኣርባዕተ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ዓመታት ኸዓ ሕገ-መንግሰቲ ብዝፈቕዶ ሀገራዊ መረፃ ብምክያድ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንመጀመሪያ ጊዜ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ተጣይሹ፣ እዚ ድማ ካበቶም ናይ ቃልሲ ዕላማታት ሓደን መሰረታዊን ዓወት ኔሩ:: እታ ሃገር እውን ካብ ምብታንን ምንቁልቋልን ምድሓን ዝኸኣለትሉ ዕድል ተፈጢሩ::

እቲ ጊዜ ዘይህብ ዝነበረ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ጉዳይ ብዘተኣማምን ምስተመለሰ ቐፂሉ ዝመፅእ ተባራዒን ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ትባሃል ከም ሃገር ንኽትቅፀልን ከይትቅፅልን ዝውስን ድኽነት ናይ ምጥፋእን እቶም ዕላማታት ኣብ ሙሉእ ሽቶ ንምብፃሕ ዘኽእል ኣንፈት ቃልሲ ምንፃርን እዩ ኔሩ::

ቃልስና ፀረ-ድኽንት ከምዝኾነ፣ ብሰላማዊ ውድድር ህዝቢ ዝመረፆ ውድብ ስልጣን ዝሕዘሉን እቲ ውድድር ድማ ኣብ መንጎ ዲሞክራሲያዊያን ሓይሊታትን ፀረ-ዲሞክራሲን ከምኡ እውን ተረፍ መረፍ ናይቶም ድሑራት ስርዓታትን ከምዝኸውን ቅድም ኢሉ እውን ዝተነፀረ ጉዳይ ዋላ እንተነበረ ብዕምቆት ዘተንተነን ንኹሎም ዓለማዊ፣ ከባቢያዊን ሃገራዊን ኩነታት ዝገምገመን ሕቶታት ዝመለሰን ኣይነበረን:: ናይ ባዕሉ ጊዜ ዝሓትት እውን ስለዝነበረ:: ይኹን እምበር እታ ሃገር ግን ኣብታ ዝተረኸበት ሰላም ካብምንቁልቋል ወፂኣስ ሃፍቲ ምጥራይ ጀሚራ ኔራ::

እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ ድማ ሻዕቢያ ካብቲ ፅግዕተኛ ድሌቱ ተበጊሱ ብድንገት ወራር ዝኸፈተልና፣ እቲ ወራር ሻዕቢያ ሰላም ክንደየናይ ከምዝጠቕመና ብግልፂ ዘርአየ ኽስተት ድማ ኾይኑ እቲ ወራር ብናይ ሃገርና ሙሉእ ዓወት ተዛዚሙ:: እቲ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ምዕራፍ ቓልሲ በጥቕልሉ (ዘይተዘርዘረ) ዝተነፀረ ናይ ካልኣይ ምዕራፍ ቓልሲ ኣንፈት ናይ ውሑዳት ዓመታት ሰላም ተሓዊስዎ ነታ ሃገር ካብ ምብታን ናብ ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረተ ሓድነትን ምርግጋእን፣ ካብ ምንቁልቋል ናብ ዕብየት፣ ካብ ኣምባገነንነትን ፀረ-ዲሞክራሲን ሰርዓት ናብ ህዝባዊን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ተሸጋጊራስ ነቲ ብሃንደበት ዝተኸፈተና ወራር ክትምክት ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ክትከውን ዝኸኣለትሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ::

እዚ ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ኣመላኺቱና ሓሊፉ በቲ ሓደ ገፅ ዕላማታትና ዝዕወቱን ናይ ሀገርና ህዝብታት ዝተማለአ ጥቕሚ ካብ ሰላምን ብሰላምን ጥራሕ ዝረጋገፁ ምኳኖም እንትኸውን በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ እቶም ዝተበገስናሎም ዕላማታትን ዝተኸተልናዩ መስመርን አካይዳ ቓልስን ብመሰረቱ ትኽከል ኮይኖም ካብኡ ንላዕሊ ምዝርዛርን ምዕሟቕን ብፍላይ ንፁር ፖሊሲን ስትራተጂን ምሕንፃፅን ሓደጋ ናይቲ መድረኽ ምፍላይን ከምዘድሊ ኣመላኺቱ ሓሊፉ::

ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ኢህወደግ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእኽላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘጋጠመ ኣፈላላይ ስቕ ኢሉ ብኣጋጥሚ ዝመፀን ብተራ ምይይጥን ምርድዳእን ዝፍታሕ ኣይነበረን:: ብኣውርኡ ኣብ ናይ ህወሓት/ኢህወደግ ህልውና (ኣብቶም ዕላማታት፣ መስመርን ህዝብን) ዘነፃፀረ ሓደጋ ስለዝነበረ መፍትሒኡ ድማ እቶም ዕላማታት፣ መስመርን ህዝብን ዝነበረ መርገፂ ኣስጢምካ ብምሓዝ ንፁር ኣካይዳ ናይቲ ቓልሲ (ፖሊሲ፣ ስትራተጂ፣ ኣካይዳ ቓልሲ፣ ሓደጋ ናይቲ ቓልሲ) ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ኹነታት ብዝግባእ ዘገናዘበን ዝተዘርዘረን መልሲ ምሃብ ወሳኒ ኔሩ::

በዚ መሰረት እቶም ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሰፊሮም ዘለው ናይ ህወሓት/ኢህወደግ ዕላማታት ኣብ ሽቶኦም ንምብፃሕ (ማእኸላይ እቶት ዘለዋ ሃገር ንምፍጣር) ወያናይ ዲሞክራሲያዊ መስመር ሕዚ እውን ብሕታዊ መንገዲ ምኳኑን ኣብ’ዚ ግዜ ዙይ ሃገርና ካብ’ቲ ዘላቶ ድኽነት ብናይ ኒዮ ሊበራል (ኣብ ከማና ዝበላ ዘይማዕበላ ሃገራት ፅግዕተኛ) መንገዲን ኣተሓሳስባን ምዕባለ ዘይሕሰብ ምኳኑ ብንፁር ተቐሚጡ::

በዚ ዝተቓነዩ ናይ ሃገራዊ ድሕንነትን ወፃእ ጉዳይን፣ ናይ ሕርሻ፣ ናይ ኢንዳስትሪ፣ ናይ ኢኮኖሚ፣ ናይ ገጠርን ከተማን ልምዓት፣ ናይ ትምህርትን ካልኦት ጉዳያትን ዝምልከት ኣብ ንፁር ፅንዓት ዝተመስረተ ዝርዘር ፖሊሲን ስትራተጂን ተቐሪፆም፣ ናይቲ ቀፃሊ ቃልሲ ሓደጋ ድማ ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባን እምነትን ዝፈጥሮ ኪራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ምኳኑ ነዚ ዝፃወር ድኽነትን ድሕረትን ዝወለዶ ምቹው ኩነታት ከምዘሎ፣ ስለዝኾነ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ልዕልነቱ ስካብ ዘረጋግፅ እቲ ኣብ መንጎ ወያናይ ዲሞክራሲያዊን ሓይልናን ናይ ኒዩ ሊበራል ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባ ዘለዎም በለፅ ዘዕወሮም ኪራይ ኣከብቲ ሓይሊታትን ዝግበር ቓልሲ ከቢድን ዝተሓላላኸን ከምዝኾነን ናብ ፈተና እንኣቱ ዘለና ምኳና ብምንፃር ናብ ተሃድሶ ኣቲናስ ዛጊድ ናይ ዓለም ቀልቢ ዝሰሓበ ብዋናነት ድማ ናይ መላእ ናይ ሃገርና ህዝቢታት ተስፋ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኣየን በዚ እንተቐፂልና ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ሃገርና ናብ ማእኸላይ እቶት ከምተበፅሕ ዘረጋገፀ ምዕባለ ክምዝገብ ክኢሉ ኣሎ::

[ናብ ገጽ 2 ክቅጽል እዩ። ቁጽሪ 2 ይጠውቁ::]

Guest Author

more recommended stories