ጉዳይ ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን የገድሰና እዩ!

ተደጋጋሚ ነዚ ጉዳይ ከብርህ ፈቲነ እየ፡፡ ኮይኑ ግን ቡዙሓት ንምንታይ ትግደሰሉ ናይ ደገ ጉዳይ እንድዩ ኣብ ውሽጢ ዘይተተኩር ክብሉ ይምሕፀኑ፡፡ ልክዕ እዮም ቡዙሓት ክዝረበሎም ዝግባእ ሕቶታት ሰናይ ምሕደራን ፍትሕን ኣለዉ፡፡ ብመሰረቱ ነዞም ጉዳያት ኣይንዛረበሎም ዝብል እምነት ውን የብለይን፡፡ ክንዲ ዝኸኣልክዎ ነዞም ኣርእስቲ ኣመሊኪተ ይፅሕፍን ይዛረብን ከኣ አለኹ፡፡ ኣብ ውሽጣዎ ጉዳያትና ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕን ክሓስብን ከምዘለና ውን ዝሰሓት ኣይኮነን፡፡

እንተኾነ ግን ብዓይኒ ስትራቴጂካዊ ኣተሓሳስባ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ወፃኢ እዩ ኣይግድሰናን ኣብ ዝብል ዝተፈለየ መርገፂ ኣለኒ፡፡ ናብቲ ጉዳይ ብዘለኒ ቕርበት ደጋጊመ ሪአዮ እዚ ጉዳያ ናይ ደገ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ካልእ ይትረፍ ኣፈጣጥራ ኤርትራ ካብ መሰረቱ ክረኣይ ከሎ ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምእታው ተወጢኑ ዝተኻየደ ዞባውን ዓለም ለኻ ውን መስርሕ እዩ፡፡ ጠላይን ኤርትራ ክፈጥሩ ከለዉ (ምንሊክ ውን ንውልቃዊ ስልጣኑ ክብል ሓጊዝዎም) ን ኢትዮጵያ ካብ ስትራቴጂካዊ መርክቦ ኣውፅኢካ ኣዳኺምካ ምቁፅፃር ዝብል ትልሚ ሒዞም እዮም፡፡ ሪኢናዮ ውን ጥልያን ኣብ ኤርትራ ሓይሉ ምስ ኣደላደለ እዩ ንኢትዮጵያ ዝወረረ፡፡

ደሓር ድሕሪ ስዕረት ጥልያን ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጠረ ሃዋህው ሓያላት ሃገራት ዓለምን ኣዕራብን ንረብሐኦም ክብሉ ዘየድሊ ምትእትታዋትን ጉርሕታት ብክያድ፤ ካብ ኩውንነት ዝረሓቐ መፍትሒ ጉዳይ ኤርትራ ብምምፃእ፤ እንዳሓደረ ዝግንፍል ፀገም ክፍጠር ዓብዩ ግደ ተፃዊተን፡፡ ኣሜሪካን እንግሊዝን ንግዝያዊ ረብሐን ክብላ ህዝባዊ ውሳነ ዘይተገበረሉን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ዝፃባእን ፌደሬሽን ክውሰን ገይረን፡፡ የዕራብ (ግብፅን ሶርያን) ንግዚኡ ዝተስዓሩ መሲሎም ስቕ እንተበሉ ውን ጉዳይ ኤርትራ ንረብሐኦም ንምውዓል ድሕሪ ናይ ዓመታት ምብልሓት ዕሽነት መንግስቲ ሃይለስላሴን መዝሚዘን ጀብሃ ክፍጠር ገይረን፡፡Map - Ethiopia, Eritrea

እስላማዊት ዓረባዊት ኤርትራ ክምስርት ካብ የዕራብ ሕድሪ ዝተውሃቦ ጀብሃ ቃልሲ ጀሚሩ፡፡ ክርስትያን ደቂ ከበሳ ካብ መፈለምትኡ ናይዚ ውድብ ኣከያይዳ ሰለዘይጠዓሞም ብጀካ ገለ ውሽጡን ሊጡን ዘይፈለጡ ውሑዳት ናብቲ ውድብ ካብ ምፅንባር ስቕታ መሪፆም ነይሮም፡፡ ደሓር ደሓር ግን ብሰንኪ ብድዐን ሃልክን መንግስቲ ሃይለስላሴ ደቂ ከበሳ ውን ናብቲ ናይ ነፃነት ቃልሲ ተፀምቢሮም፡፡ ኣብ ከይዲ ድማ ምስ ተጋሩ ብትሕብባር ንቲ ናይ የዕራብ ውድብ ጀብሃ ሲዒሮም ካብ ሜዳ ኣውፂኦሞ፡፡

እቲ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ሓይሉ ካብ ከበሳ ዝኾነ ህዝባዊ ግምባር ጅብሃ ተሳዒሩ ምስ ወፀ ከምኡ ውን ድርጊ ምስተስዓረ ነፃ ኤርትራ ተረኪቡ፡፡ በቲ ምስ ኢትዮጵያ (ህወሓት-ኢህወደግ) ዝነበሮ ፅቡቕ ዝበሃል ግን ቅጥዑ ዘየፍለጠ ርክብ ምክንያት ኤርትራ ካብ መሳርሒ የዕራብ ዘትረፈ መንግሰቲ ውን ከይኑ ነይሩ፡፡ ብግልፂ ውን ምስ ኣብዚ ዞባ ዝርከባ የዕራብን እስላምን ሃገራት (ብጀካ ስዑዲ ዓረብ) ተጋኒፁ እቲ ዓረባውን እስልምናውን ምትእስሳር ናብ ምብታኽ ገፁ ወሲድዎ፡፡

ደሓር ምስ ኢትዮጵያ ምስተብኣሰ ከኣ ተመሊሱ ናብ መጋበርያ ዓረብነት ኣትዩ፡፡ ብርግፅ እቲ ንጀብሃ ወቒዑ ዘባረረን ብመብዛሕቲኦም እስላም ደቂ መታሕትን ዓረባውያን ተፈታውነትን ተቐባልነትን ዘይብሉ መንግስቲ፤ ምስ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ግብፂ፣ ካታር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዓረብ ኢምሬትስ፣ ኢራን ዝገብሮ ዘሎ ምሕዝነት ኣብ መትከል ዝተመሰረተ ከምዘይኮነ ፉሉጥ እዩ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ህዝባዊ ግምባር ንኢትዮጰያ ክሳዕ ዝረበሸ የዕራብ ምሕጋዘም ኣይገደፉን፡፡ የዕራብ ንግዚኡ ንኢሳያስን ጉጅልኡን ኢትዮጵያ ክርብሽ እንዳደጉፉ፤ ብዘላቕነት ከኣ ናይቲ ዝተስዓረ ጀብሃ ተረፍመረፍ ከምኡ ውን ደሓር ዝፈጠርዎም እስላማውያን ጉጅለታትን ንሓዋሩ ኤርትራ ክቆፃፀሩ ምስርሖም ፈፂሞም ዝገድፍዎ ኣይኮኑን፡፡

ኣብዚ ክንርድኦ ዝግባእ የዕራብ ነቲ ዘሎ ስርዓት ኣልዩ ዝትክኦ ሓይሊ ክፍጠር እምበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሰረታዊ ፀገም ተፊቲሑ ዴሞክርስዊን ሴኩላርን ስርዓት ክምሰረት ድልየቶም ኣይኮነን፡፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፀገም ዝምድና ምፍታሕ ውን ኣይንታዮምን፡፡ ንሳቶም ንኤርትራ እንዳዕጠቑ ብቐፃልነት ንኢትዮጵያ ምድማይ እቲ ዝደልይዎ ዕላማ እዩ፡፡

ካልእ በቲ ዝፍጠር መንግስቲ መሰረት ገይሮም ኣብ ኤርትራ እስላማውን ዓረባውን ምትእታው ብምግበር ነቲ ኣብኡ ዘሎ ክርስትያናዊ ሓይሊ ብምድኻምን ብምጭፍላቕን ቀፃሊ ዕማማቶም ናብ ኢትዮጵያ ብምትእትታው ዝደልይዎ ምስላጥ እዩ፡፡ እዚ ክበሃል ከሎ ናይ ፈጠራ ራዒዲ ንምፍጣር እሞ ኣብዚ ሓሳብ ክትኣምኑ ንምግባር ኣይኮነን፡፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጭቡጥ ኩውንነትን ድሌትን እዩ፡፡ ግብፂ ሎሚ ኣብ ኤርትራ እንታይ ትገብር ትውዕል ኣላ ፈላጢኡ ይፈልጦ፡፡ ደቂ መታሕት እስላም ተቓወምቲ ኤርትራ ኸ እንታይ ይሓስቡን ይፈትሉን ይውዕሉ ኣለዉ ዝሕባእ ኣይኮነን፡፡

እዚ ንሻዕብያ ከም ኣብ ግዝያዊ ምርግጋፅ ህልውና ሰለዘሎ ሓይሊ ኣይርድኦን፡፡ ነዚ ተረዲኡ ፍታሕ ከምፅእ ውን ባህሪኡ ኣይፈቐደሉን፡፡ እቲ ኸይዲ ግን ናብኡ ዘምርሕ ዘሎ ይመስል፡፡ እቲ ከበሳ ብስደት ይፀንት ኣሎ፡፡ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ እንተኾይኑ ውን ኣብ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ተሪፉ ዘሎን ዝዓዘዘ ቁፅሪ ዘለዎ ሓይሊን ናይ መታሕትን እስላምን እዩ፡፡ ሰለዚ ነዚ ስትራቴጂካዊ ኣተሓሳስባ የዕራብ ዝድግፍ ሃዋህው ይፈጠር ኣሎ ማለት እዩ፡፡

እሞ ንሕናኸ ከም ኢትዮጵያውያን እንታይ ክንገብር ይግባእ ዝብል ኣገዳሲ ስትራቴጂካዊ ሕቶ ሰለዝኾነ ኣልዒልና ምዝታይና ግድን ይኸውን፡፡ ምእንቲ ካልእ ኣይኮነን ብእንቲ ዘላቂ ረብሓና፡፡ ከም ናተይ ርድኢት እቲ ኣብ ዱጉል ሓዊ ዝነብር ዘሎ ከበሳዊ ሓይሊ ብሰንኪ ሻዕብያ ናብ ዘየድሊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣትዩ ክሰምዕ ኣይከኣለን እምበር ክሕግዘና ዝኽእል እዩ፡፡ ካብቲ ዓብላላይ ኣተሓሳስባ ከይኑ ዘሎ ፋሽሽታውንትን ፍሉያት ኢናን ነፃ እንተኾይኑ፤ ንዓና ኢሉ ዘይኮነስ ንሰለህልውንኡ ክብል ምስና ምስራሕ እዩ ዘዋፅኦ፡፡ እዚ ንክኸውን ከኣ ብኣና ብኢትዮጵያውያን ገፅ እቲ ዝሓለፈ ሕድጎት ጌርና ናብ ኑቡር ኣተሓሳስባ ክመፅ ፃዊዒት ምግባር ዝበለፀ መንገዲ እዩ፡፡

እንተዘይኮይኑ ከምቲ ናይ ሻዕብያ መንገዲ ሕነ መልሲ ንምልስ እንተኾይና ስትራቴጂካዊ ረብሓና ኣሕሊፍና ከም ምሃብ እዩ ዝቑፀር፡፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላምን ውን ውሕሰነት ህላወኹም ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር እዩ፡፡ ነዚ ብኣግኡ ክትሓስብሉ ይግባእ፡፡ እቲ ዘሎ ኣርሒቑ ዘይሓስብ መንግስቲ መፃኢ ህላወኹም ኣብ ሓደጋ የእቲዎ ኣሎ፡፡ ፅባሕ ንጉሆ እቲ የዕራብ ዝደልይዎ ሓይሊ ደፊኡ እንተመፅዩ ኪናት ተደጊስልኩም ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ብሓይሊ ውን ክዕምፅፀኩም እዩ፡፡ ምኽንያቱ ንስኹም በይንኹም ኢኹም፡፡ እቲ ዓረባውን እስላማውን ሓይሊ ግን ካብ ለኣኽቱ መሉእ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ሓገዝ ከምዝገበረሉ ኣየጠራጥርን፡፡ ተሳዒርኩም ከኣ እምነኩም መንነትኩም ምቕያር ሰለዘይተፈቕዱ ዕድልኩም ሞትን ስደትን እዩ፡፡ መሬት ኣቦታትኩም ኣመንጢልኩም ክትሰደቱ፡፡ ዝኸኣልኩም ንዓዲ ፈረንጂ ክትከዱ ትኾኑ፡፡ ዘይከኣለ ግን እንኮ መዕረፊኡ ኢትዮጵያ እዩ፡፡

እቲ ናትኩም ሞግዳእትን ጥፍኣትን ከኣ ንዓና ኣይገድፈናን፡፡ ሰለዚ ንህላወኹም ንህላወናን ቀዲምኩም ሕሰብሉ፡፡ ብኢትዮጵያ ገፅ ዘሎ ሓይሊ ውን እዚ ስትራቴጂካዊ ድሕንነትን ሰላምን ንምርግጋፅ፤ እቲ ናይ ትማሊ ገዲፍና ነስተውዕል፡፡ እዚ ነብስኻ ምንኣስ ገለ ኣይኮነን፡፡ ኣብ መከላኸሊ ሓይልና ውን ክንተኣማመን ንኸውን፡፡ ተለዋዋጣይ ባህርን ኢ-ተገማትነት ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ ውን ካብ ሻዕብያ ዘይሓሹ ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ኣንዊሕኻ ምእማት ጥቕሚ እምበር ጉድኣት የብሉን፡፡ ብፍላይ ተጋሩ መናእሰይ ነዚ ጉዳይ ብኸምዚ እንተርድኦ ዝበለፀ እዩ፡፡

ብፍላይ ተጋሩ መናእሰይ ክብል ከለኹ ካልእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኤርትራ ብዝፍጠር ፀገም ነዚ ዞባን ብዓብዩ ከኣ ንኢትዮጵያ ዝሃሲ እካ እንተኾነ፤ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ግን ንሕና ተጋሩ ኢና ንኸውን፡፡ ብዛዕባ ትግራይ ምሕሳብ ንኻልኦት ኢትዮጵያውያ (እቶም ጥፍኣት ትግራይ ዝምነዩ ሓይልታት ገዲፍካ) ዝምልከት እንተኾነ ኳ፤ ብዝበለፀ ናትና ናይ ተጋሩ ሓላፍነት እዩ፡፡ “ሳይቃጠል በቅጠል” ድዮም ዝበሉ፡፡

ነዚ ዕላማ ኸ እንታይ ዓይነት ኣከያይዳ ንስዓብ እንተተባሂሉ፤ ንዓይ ከም ዝመሰለኒ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምፍጣር እዩ፡፡ ጉዳይ ዶብን ወደብን ቀንዲ መንቀሊ ፀገማት ኣይኮኑን፡፡ ክፍትሑ ዝኽእሉን ብመሰረቱ ውን መንቀሊ እቲ ኩናት ኣይኮኑን፡፡ ናብ ንቡር ኣተሓሳስባ እንተመፂና መፍትሒኦም ኣብ ኢድና ኣሎ፡፡ ባድመ ናይ መን ምኻና እቲ ነባሪ ህዝቢ ይፈልጥ እዩ፡፡ ጉዳይ ዓሰብ ውን ናይ ፓለቲካ መሳወሪ ንምግባር እንተዘይተደልዩ፤ ተወዲኡ ዝሓደረ እዪ፡፡ ሕዚ ዓሰብ ብሓይሊ ከምፅእ እየ ዝብል ሓይሊ እንተሃልዩ ውን፤ ምስ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ዝገጥምስ ምስቶም ኣብ ላዕሊ ንጠቕሶም ዝፀናሕና እስላማውያን ዓረባውያንን ሓይልታት እዩ፡፡ እዚ ማለት ከኣ እተን ተረኺበን ዘለዋ ሰላምን ልምዓት ተኒነን ክጠፍኣ ምፍቃድ እዩ ዝኸውን፡፡ ሃገር ክሳዕ ምፍራስ ውን ክብፅሕ ይኽእል፡፡

ከምናተይ እምነት ግን እቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘሎ ናይ ኣተሓስስባ ፀገም (ብፍላይ ናይ ክልቲአና ተጋሩ) እንተተፈቲሑ ባድመ ኣብኡ ኣሎ ወደብ ውን ኣብኡ ኣሎ፡፡ ክልቲአና ተጋሩ ክበሃል ከሎ ንዓፋር ዶብ እንታዮም ከምዘይኮነ ንምርኣይ እዩ፡፡

ክልቲአና ተጋሩ ከም ምድምሳስ ታሪኽ፣ ምህዞ መንነት፣ ምህዞ ታሪኽ፣ ዓርሰ ክሕደት … ወዘተ ዝበሉ ሕማማት ሓሚምና ኣለና፡፡ እዞም ሕማማት ከኣ ሓበራዊ መፃኢ ህላወናና ከይንርኢ ሰለዝገብሩና፤ ክንሕከሞም ይግባእ፡፡ ብርግፅ እቲ ብኢትዮጵያ ገፅ ዝርኣይ ዘሎ ፅልኣት ነቲ ብኤርትራ ገፅ ብመንግስቲ ደረጃ ዝምወል ፅልኣት ምላሽ ዝዓይቱ እዩ፡፡ በቲ በለ በቲ ግን ሕማም እዩ ክንሕከም ኣለና፡፡ ሕክምና ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምፃእ እዩ፡፡

ሰላም!

**********

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories