ስርሒት ዴምህት፡ ሞላ ኣስጎዶም ሃዲሙ ድዩ?

(Yoel Alem)

ጽልኢ ቀንዲ መለለዩ ሻዕብያዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ጽልኢ ምስ ዝሰፍን፡ ስነሓሳብ ሻዕብያ ይስስንን። ኣብ ሃዋሁ ሰላምን ሕውነትን ድማ፡ ፓለቲካዊ ጽምኢ የጋጥሞ ‘ሞ፡ ኣብ ዓጽረ ሞት ‘ውን ይሰሓግ።

ስነሓሳብ ሻዕብያ ክሰርርን ክሕይልን እንተኾይኑ፡ ከም ጸላኢ ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ኣካል የድልዮ። ጽልኢ ኣንጻር ኢትዮጵያ እታ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይተድልያ፡ ሻዕብያ ብቀሊሉ ዝስሕባ ካርታ እያ። ብፍላይ ድማ ጽልኢ ኣብ መንጎ ህዝብታት መረብ ስግርን ምላሽን።

ሞላን ዴምህት ውድቡን፡ እቶም ቀንዲ ኣገልገልቲ መሳወሪ ጽልኢ ኮይኖም እዮም ጸኒሖም። ብዛዕባ ዴምህት ዘይተባህለ መቸም የለን። ኣዋልድና ዓሚጾም፡ መንቀሳቀሲ (“መወሳወሲ”) ሓቲቶም፡ ኤርትራውያን ገፊፎም፡ ቀንዲ እሙናት ዓሳክር ኢሰያስ ኮይኖም ዝብሉ ክስታት ንየእዛንና ከናውጹ ጸኒሖም እዮም።

ሓቅነት ናይቶም ኣብ ልዕሊ ዴምህት ዝቀርቡ ክስታት ብዘየገድስ፡ እቲ መልእኽቲ ግን ንጹር ዕላማ ዝነበሮ እዩ። በደልቲ ሕብረተሰብና፡ ደቂ መረብ ስግር ምኳኖም ንምንጻር ዝግበር ዝተዋደደ፡ መሳወሪ ጽልኢ ጎስጓስ እዩ። ኣሳሰይቲ ‘ዚ ጎስጓስ ድማ፡ ገለ ካባ “ደላዩ ፍትሒ” ዝተኸድኑ ቀንዲ ሃሱሳት ሻዕብያ ምኳኖም ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ሕራይ ዴምህት ‘ሲ ኢትዮጵያ ጠቅሊሉ ኣትዩ፡ ኣሳሰይቲ ጽልኢ ግን እንታይ በሉ?Photo - TPDM leader Mola Asgedom and fighters after fleeing Eritrea

ትማሊ ትማሊ ዴምህት ንህዝብና ዶ ኣዋልድና ዓሚጹ ክብሉ ከም ዘይጸንሑ፡ ምኻዱ ክንዲ ዘሓጉሶም፡ ተገምጢሎም ሞላ ዕላማኡ ዝኸድዐ ሃዳሚ፡ ካብ ጻሕልና በሊዑ ዝሃደመ ጠላሚ፡ ብረት ደም ስውኣት ሒዙ ዝተመርቀፈ ሰራቂ፡ ወዘተን ዝብሉ ክስታት ስዒቦም። ከምቲ ቀዳማይ፡ ዕላማ ናይዚ ዳሕረዋይ መልእኽቲ ‘ውን ንጹር እዩ። ጽልኢ ምስዋር እዩ።

ዴምህት ኣብ ኤርትራ ከሎ ንመሳወሪ ጽልኢ ተጠቂሞምሉስ፡ ምስ ከደ ‘ውን፡ መኸዲኡ ነቲ ጽልኢ መቀጸሊ ክጥቀምሉ ይፍትኑ ኣለው። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ዴምህት መሳርሒ ዳኣሉ እምበር፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ጽልኢ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ህዝብታት መረብ ስግርን ምላሽን ንምብላሕ ዘተኮረ ምኻኑ እዩ።

ነቲ ብወገን ኣሳሰይቲ ጽልኢ ኮነ ኢልካ ዝቀርብ ሆቦብላ ቃላት ንጸጋም ገዲፍና፡ ብግደ ሓቂ ክርአ እንተኾይኑ፡ ሞላ ንዕላማኡ ኸዲዑ ዝብል ዘረባ ብመሰረቱ ንፖለቲካዊ ሓቅታት ናይ ዞባና ካብ ዘይምርዳእ ዝምንጩ ክኸውን ይኽእል። ከምቲ ሞላ ባዕሉ ዝተዛረቦ፡ ኣተሓሳስባኡ ንኽቅይር ዝደረኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዕላማ ሻዕብያ ንኢትዮጵያ ንምብትታን ዝዓለመ ምኳኑ ክንጽረሉ ምስ ጀመረ እዩ። እዚ ድማ ሓቂ እዩ።

ብቀንዱ ወናኒ ዕላማ ምብታታን ኢትዮጵያ ሻዕብያ ባዕሉ ከማን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ የዕራብ ጎይቶት ሻዕብያ እዮም። ሓድሽ ኣጀንዳ ‘ውን ኣይኮነን። ካብ ቀደም ሻዕብያ ዝብሃል ውድብ ካይተፈጥረ ከሎ ዝነበረን ዘሎን ኣጀንዳ ጥፍኣት እዩ። እቲ ዝገርም፡ ሞላ ክሳብ ሎሚ ከመይ ኢሉ እዚ ሓቂ ‘ዚ ተኸውልዎ ምጽንሑ እዩ።

ሞላ እምበኣር ንዕላማኡ ዘይኮነ ከዲዑስ፡ ካብ ግጉይ ናይ ጥፍኣት ዕላማ ናብ ቅኑዕ ንከምርሕ ዕድል ዝረኸበ ሰብ እዩ። ኣተሓሳስባኡ ቀይሩ፡ ዕላማኡ ገምጊሙ፡ ንዓዱ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ድማ፡ ሃዲሙ ወይ ጠሊሙ ክትብሎ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን።

ሞላ ጅግና እዩ ክበሃል ንሰምዕ ኣለና። እዚ ብቀንዱ ምስቲ ዓሰርተታት ኣማኢት ኣባላት ሑዙ ካብ ኤርትራ ንኽወጽእ ዝፈጸሞ ስርሒት ዝተኣሳሰር ይመስል። እቲ ስርሒት ከምቲ ብዝተፈላለዩ ሜድያን፡ ባዕሉ ‘ውን ሞላ ከም ዘዘንተዎ፡ mission impossible ጥራይ ኢኻ ክትብሎ ትኽእል። ብፍላይ ድማ፡ ንዓቅምን ኣቃውማን መሓውራት ስለያ ሻዕብያ ብግቡእ ንዝፈልጥ ሰብ፡ ብሓቂ ሞላ ተኣምራት ዝኾነ ስርሒት ፈጺሙ ኣብ ዝብል መደምደምታ ንኽትበጽሕ የገድድ።

እቲ ብሜድያ ዝቀርብ ዘሎ ዛንታ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ስርሒት ዓበይቲ ናይ ስለያ መሓውራት (ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ዋላ ውን ናይ ሱዳን ድዩስ ገለ ምስ ኢሰያስ ዘይተቃደው ኣባላት ስለያ ሻዕብያ) ከም ዝተኻፈሉ ንምርድኡ ከቢድ ኣይኮነን። እቲ ብጸጥታ ደረጃ ዝቀርብ ዘሎ ጸብጻብ ‘ውን ናብዚ ሓቂ ‘ዚ ዘኣንፍት እዩ። ስለዚ ሞላ ታእምራት ሰሪሑ ኢልካ ምዝራብ፡ ካብ ልክዕ ዝሓለፈን ዝተጋነን ጥራይ ኢኻ ክትብሎ ትኽእል።

ንርዱእ ምኽንያታት ንሻዕብያ፡ ስርሒት ዴምህት ቀጨውጨው ከብሎምን ከኾርዮምን ምኳኑ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ብዓቢኡ፡ ዴምህት ከም ውድብ ኣብዚ ደረጃ ንኽበጽሕ ቀሊል ውጻኢታት ኣይኮነን ሓቲቱ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ወፍሪ (investment) ክበሃል ይከኣል።

ንብዙሕ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እንተኾነ፡ ስርሒት ዴምህት ብሓጎስ ዝተቀበሎ እዩ። ዴምህት ይገፉ ኔሮም ወይ ኣዋልድ ስለ ዝዕምጹ ዝነበሩ ‘ሞ፡ ሎሚ ስለዝኸዱ ብምባል ኣይኮነን ዘሓጉሶ። ብቀንዱ ይገፉን ይዕምጹን ከም ዝነበሩ ‘ውን ብጭቡጥ ዘቅርብ መርትዖ ዛጊት የለን። እንታይ ደኣ፡ እታ ትንፋስ ዘይትህብ፡ ምልክት ራዕድን ሽበራን ዝኾነት መሓውር ስለያ ሻዕብያ ክትሕቆንን፡ ፈርከሽከሽ ‘ውን ክትብል ንኽምስክሩ ስለ ዝበቅዑ እዮም።

ብልክዕ ስርሒት ዴምህት መኽሰብ ኣለዎ። ቀዳምይ ነገር፡ ጽልኢ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብናን ሕብተረሰብ መረብ ስግርን ንክባላሕ ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ፋሕ ፋሕ ምባሉ ሓንቲ ካብተን ሻዕብያ ጽልኢ ንከባልሕ ዝስሕበን ካርታታት ሞይታ ማለት እዩ። እዚ እቲ ዝዓበየ መኽሰብ ኢልካ ክትጽውዖ ትኽእል።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዴምህት ዝተገብረ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ክምስገን ዝግብኦ እዪ። እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ባህሊ ኣተሓሕዛ ተቋውሞ፡ ከም ናይ በዓል ደርጊ ማለት እዩ፡ ብረት ንዘዘልዓለ ታንኪ ጌርካ ምጉያዩ እዩ። ንተቋውሞ፡ ብልዝብን ብሜላን ምሓዝ፡ ተመሊሱ ‘ውን ኣብ ልምዓት ሃገር ንኽሳተፍ ዝገብር ባህሊ ጸኒሑ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዴምህት ዝገበሮ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ እምበኣር ነዚ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ባህሊ ዝሰብር እዩ። ክምጎስን፡ ዝያዳ ክተባባዕን ድማ ይግባእ።

ብዓቢኡ፡ ሞላ ኣስጎዶምን ኣባላቱ ሰራዊት ዴምህትን፡ ካብ ጎደና ጥፍኣት ተኣልዮም፡ ብረቶም ከውርዱ ፍቃደኛ ብምኳኖም ክምስገኑ ይግባእ። እዚ ብቀንዱ ሓደ ዓቢ ዓወት ንሓይልታት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ።

**************
* The author Yoel Alem can be reached at [email protected]

Guest Author

more recommended stories