ካርታ መንገዲ ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፤ ክነሰተባህለሎም ዝግባእ ነጥብታትን ሓይልታትን

* ኣብዚ ፅሑፍ ዝተጠቀክምሉ ኣቆፃፅራ ዘመን ጎርጎሮሳዊ (ፈረንጂ) እዩ

ዘለናዮ እዋን ኣብ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ወሳናይ ምዕራፍ ክነመዝግበሉ ንኽእል እዋን እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ምዕራፍ ዝፍጠር ለውጢ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝኸፍአ ወይ ድማ ናብ ዝሐሸ ኩነታት ክዓቢ ዝኽእል፤ እቶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝረኣዩ ዘለው ለውጥታት ከምኡ ውን ብዓብይኡ ኣብ ዘቦና ዝረኣዩ ዘለው ንቡራትን ሓደሽትን ጂኦፖለቲካዊ ለውጥታት ብዝግባእ ኣስተውዕሊና ምስእነኣልዮምን ንክልቲኡ ህዝቢ ብዝጥዕም መልክዑ ምስእንውድኖምን እዩ፡፡

ኣብ ኤርትራ ዝርኣዩ ዘለው ፖለቲካዊ ምዕባለታት

ኣብዚ ከይዲ ብዝበለፀ ኣብ ኤርትራ ኣዝዮም ገዚፍ ሳዓቤን ዘለዎም ለውጥታት ይረኣዩ ኣለው፡፡ ኤርትራ ድሕሪቲ ክካየድ ዘይነበሮ ኩናት 1998-2000 ናብ ኣዝዩ ከቢድ ቅልውላው ኣትያላ፡፡ ኤርትራ ኣብዚ ሓዚ እዋን ኣብ ኣፍደገ ዕንወትን ዳርጋ ውን ከም ሃገር ህልውንኣ ዘይተረጋግፀሉ ኩነታት በፂሓ ኣላ፡፡ ነዚ ኩሉ ሕሰምን መከራን ተሓታቲ ዋላ ውን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝዓበየ ሰንኪ እንተኾነ፤ ኣብ ኣተሓሳስባ ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራን ከምኡ ተቓወምቲ ውድባት ኢና ዝብሉ በቢኩርንዑ ዝስምዑ ሓይልታት ውን ከስተባህልሎም ዝግብኡ ነጥብታት ኣለው፡፡

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስትን ንዕኡ ዝዝውር ውልቀ መላኽን ናይ መወዳእታ መዓልቶም እናቖፀሩ ዝርከብሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፡፡ ኤርትራ መሉእ ንሙሉእ ዝፈረሰት ሃገር እካ እንተዘይተብሃለት፤ ኣብ ሓውሲ ምፍራስ ጢሒላ አቲ ዓፋኒ ስርዓት ውን ነገራት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እንዳኾንዎ ኣብ ሸንኮሎል ይርከብ፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ካብ እትብል፤ ዝተፈላላዩ ወዲኑ ጉጅለታት ከምድልየቶም ህዝቢ ዘሰራጥይሉ፣ ኣብ ዒጋም ጠሓስ ሕጊ ኣልቦነት ኣትዮም ዘይሕጋውያን ስራሕቲ ዝፍፅምሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንህልውና ሃገሩ ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ዝስደተሉን ኩነታት ሰፊኑ ይርከብ፡፡ መንግስቲ ከም ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ክፍፅሞም ዝግባእ ተልእኾታት ጠጠው ናብ ምባል ገፁ እዩ፡፡ ተቓውሞ ህዝቢ ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ብግልፂ ምስቲ ዓፋኒ ስርዓት ናብ ምልታም ዝበፅሓሉ ኩነታት ይርኣይሎ፡፡ ነዚ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ከዓ እቲ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ምንቅስቓሳትን ከምኡ ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ጅምላዊ ግፋን ምዕጣቕ ብረትን ዝገብሮም ዘሎ ተቓውሞታትን እዮም፡፡Image - Flags of Eritrea, Ethiopia over African map

ብመዳይ ወተሃደራዊ ሓይሊ፤ ቁፅርን ዓቕምን ወተሃደራዊ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሽቆልቆለ ናብ ኣዝዩ ዝደኸመ ቑፅሪ በፂሑ ይርከብ፡፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ዳን ኮኔል ኣውፅኢዎ ዝነበረ ሓበሬታ ከምዝምስክሮ እቲ ኣብ እዋን ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከባቢ 200-300 ሽሕ ዝግመት ቁፅሪ ዝነበሮ ስሩዕ ሰራዊት ኤርትራ ናብ 70-80 ሽሕ ወሪዱ ከምዝነበረ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ምንቁልቃል ቀፂሉ ስሩዕ ሰራዊት ኤርትራ ከባቢ 50-60 ሽሕ ክበፅሕ እዩ ኢልካ ምግማት ይከኣል፡፡ በዚ ለውጢ ዝተልዓለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ገዚፍ ሻቕሎት ኣትዩ ይርከብ፡፡ እቲ ቐንዲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘሀውኽ ጉዳይ ግን ድሕሪ እቲ ብወፍሪ ፎርቶ ዝፍለጥ ኣብ 2013 ዝተርኣየ ዓመፅ ወተሃደራት ኤርትራ፤ ናብ ኩሉ ክፋላት ምክልኻል ሓልታት ሊሒሙ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ሃዋህው ምፍጣሩ እዩ፡፡

በቲ በለ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘይተሓሰበ ለውጢ እሞከኣ ኣብ ዝሓፀረ መዓልቲ ክፍጠር ከምዝኽእል ምግማት ጥራሕ ዘይኮነ ምድላዋት ጌርካ ምፅባይ ኣማራፂ ዘይብሉ ውራይ እዩ፡፡ እቶም ክፍጠሩ ዝኽእሉ ተርእዮታት፤ 1) ላዕለዋት መራሕቲ ወተሃደራት መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ እቲ ሕጂ ኣዛዚ ሓይልታት ኮይኑ ዘሎ ጀነራል፤ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል፡፡ እዚ ክልተ ዝተፈላለየ መልክዕን ኣንፈንት ክህልዎ ይኽእል፡፡ በቲ ሓደ ገፅ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ናብ መንግስታዊ ስልጣን ወፂኦም ወተሃደራዊ መንግስቲ ኤርትራ ክስየም ዝኽእለሉ ተርእዮ እንትኸውን፤ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ከምቲ ኣብ ግብፂ ድሕሪ ውድቀት ሙባረኽ ዝተርኣየ ሓለፍቲ ወተሃደራት ንግዚኡ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምፅናሕ ንስቪላዊ ጉጅለ ከረክቡሉ ዝኽእል ተርእዮ እዩ፡፡ ኢዚ ካልኣይ ተርእዮ ብርግፅ ንድሕነት እታ ሃገር ኣዝዩ ወሳኒ ዋላ እንተኾነ፤ ሓለፍቲ ወተሃደራት ካብቲ ናይ ህግደፍ ዑሙት ኣተሓሳስባ ናይ ምውፃእ ተኽእለኦም ኣዝዩ ትሑት ሰለዝኾውንን ንኩሎም ኤርትራውያን ሓይልታት ናይ ምስታፍ ዕድል ኣዝዩ ፀቢብ ስለዝኸውንን ለውጢ ከምፅእ እዩ ኢልካ ምፅባይ ከቢድ እዩ፡፡ 2) ሓደገኛ ዝኾነ ብኣዝዝቲ ወተሃደራት ክፍጠር ዝኽእል ለውጢ፡፡ ብርግፅ ካብቲ ቀዳማይ ተኽእሎ ወፃኢ ማእኸለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቶም ራሕሪሖም ናይ ባዕሎም ኣንፈት ስዒቦም ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ተርእዮ ኣዝዩ ትሑት እንተኾነ፤ ዘይተሓሰቡ ለውጥታት ምስ ዝፍጠሩ ሰስዓብቶም ሒዞም ናብ ግጅለኣዊ ንሕንሕ ክኣትዉ ይኽእሉ ይኾኑ፡፡ እዚ ኣዝዩ ሓደገኛን ኤርትራ ከም ሃገር ናብዘይትቕፅለሉ ብርኪ ከብፅሕ ዝኽእልን እዩ፡፡ 3) ህዝባዊ ዓመፅ – ናይ ምኻን ተኽእልኡ ኣመና ትሑት እዩ፡፡ ስለምንታይ ሲ ኤርትራዊ መንእሰይ ሰደት ከም እንኮ መማረፂ ወሲድዎ ስለዘሎ፡፡ ስለዚ ኣይኮንን ወላ እንተዘይበልና ግን ኣዝዩ ትሑት እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ብወተሃደራዊ ሓይልታት ዝጥለፍ ስለዝኸውን ካብቶም ላዕለዎት ተርእዮታት ዝፍለ ኣይኸውንን፡፡

ብወገን ኢትዮጵያ ዝርኣዩ ዘለው ምዕበለታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንውሻጣዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው እታ ሃገር ክልውጥ ዝኽእል ምዕባለ የለን፡፡ ምስ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለናን ክህልወና ዝኽእል ርክብን ብዝምልከት ግን ሓድሽቲ ሓይልታት ዋላ እንተዘይተሃብሉ፤ ሓድሽቲ ምትእታዋትን ሽርክናን ዝጀመሩ ሓይልታት ውጥም ቅልቅል ዝብልሉ ክነታት ኣሎ፡፡ እዞም ሓይልታት ኣብ ክልተ ዝኽፈሉ እዮም፡፡ ሓደ መሊኡ ነፃነት ኤርትራ ዘይቕበል ካብ ስዕረት ስርዓት ደርጊ ንነዘ ብቐፃልነት ኣብቲ መትከል ፀኒዑ ዝቐፀለ ኣብ መልክዕ ዘይብሉ ጠቕላላይ ሓድነትን ፅውፅዋይ ታሪኽ ኢትዮጵያን ተመርኪሱ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ እንዳበለ መርትዖ ዘየብሉ ሓድነት ዝሰብኽ እዩ፡፤ እዚ ሓይሊ ንውሽጣዊ ትምክሕተኛን ሕቡእ ዘርኣዊ ሽርሕታቱ ኢትዮጵያውነትን ሕውነትን ዝብልዎም ደርፍታት ዘዘውትር እንትኸውን ብባህግን ድሌትን ካብቲ ብምኒሊካዊ ኣተሃሳስባ ዝፍለጥ፤ ኣብ ዕሉል ፅልኣት ትግርኛ ተዛረብቲ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝሕምበብ እዩ፡፡ ካልኣይ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተወሺጡ ዝፀንሐ ነዚ ኣተሓሳስባ ዝድግ ውሕዳት ትግርኛ ተዛረብቲ ዘሰጉምዎ ብጉርሕን ግርህነትን እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ደብ ናብ ማሕበራውን ባህላውን ዶብ ክቕየር ዝፅዕር እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ ድሕሪ እቲ ንሱሙ ደብ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኩናት ጎለሁ ዝወፀ እንትኾውን፤ ብመንፈስ ግን ንነዊሕ እዋናት ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ካልሲ ህዝቢ ትግራይ ተወሺጡ ዝፀንሐ እዩ፡፡ ዋላ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መደረኻት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንዳተስዓረ ዝመፀ እንተኾነ፤ ብተደጋጋሚ ንገለ ኣመራርሓ ህወሓት ዓቕሞምን ፖለቲካዊ ትሕዝትኦምን ንጎኒ ገዲፉ፤ ትውሊዲ ሓረጎም እንዳመዘዘ እንዳወንጅለ ምስ ኤርትራ ፉሉይ ትሕዝቶ ከምዘለዎም ብምምሳል፤ ውድው ህወሓት ኣብ መርሕን ነባራዊ ኩነታትን ተደሪኹ ዝተቐበሎ ነፃነት ኤርትራ ዝነፅግ ሓይሊ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ሓይሊ ካብ ውልቀ ሰባዊ ምትእኽኻብ ሓሊፉ ናይ ምውዳብ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፤ ወድዓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምስ ደምበ ትምክሕተኛ ሓይልታት ኢትዮጵያ ግምባር ፈጢሩ ይርከብ፡፡

ካርታ ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያን ኣበይ ይዓርፍ?

ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓቢረን ክለምዓን ንሓበራዊ ረብሓ ነናይ ነብሰን ኣበርክቶ ክገብራ ይግባእ፡፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ክህሊ ዝኽእል ርክብ፤ ውን ዋላ ሓላፍ ዘላፍ እንተበሮ ኣብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበረ ምትሕብባርን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ እዋናት ኣመስኪረን እየን፡፡ ብርግፅ ቅድሚ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ርክብ፤ ዘይስሩዕ ባህርታቱ ተበሊፁ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶም ዝነበሩ በለፃት ውስንነትን ግድፈትን ከምዝነበሮ ብቡዝሓት ዝእመነሉ እዩ፡፡ ብዝኾነ አቲ እዋን ኢኮኖሚ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከምኡ ውን ሰሜናዊ ክፋል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝተኣሰሰሩ ምኻኖም፤ ድሕሪ ኩናት ዝተፈጠሩ ምዕባለታት ይምስክሩ፡፡ ኢኮኖሚ ኤርትራ ድሕሪ ኩናት ናብ ፍፁም ውድቀት ዘምረሐ እንትኸውን፤ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ትግራይ ድማ ብሰዓቤናት እቲ ኩናት ከምዝተሃሰየ ግልፂ እዩ፡፡ ስለዚ እዘን ሃገራት ካብ ሓባራዊ ረብሓ ኣዝየን ከምዝጥቀማ ሩሑቕ ትንተና ምኻድ ኣይደልን፡፡ ኢኮኖማዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዳይ ድሕንነትን ጂኦፖለቲዊ ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ውን ናይ ሓባር መኽሰብ ኣለወን፡፡ ንዝበለፀ ርድኢት እቶም መዕርፎ ነጥብታት ሓበራዊ ረብሓ ኣበይን ከመይን ከምዝኾኑ ንምርኣይ ክፍትን፡፡

ወደብ/በሪ ባሕሪ

ኤርትራ ካብ ራስቄሳር ክሳዕ ራስዱሜራስ ዝተዘርግሐ ኣስታት 1200 ኪ/ሜ ዝንውሑ በሪ ባሕሪ ትውንን፡፡ ካብዚ ነዊሕን ሰፊሕን በሪ ባሕሪ ተጠቃሚት ክትከውን እንተ ኾይና ናይ ውሽጣ ኢኮኖማዊ ዓቕሚን ምስ ገረባብታ ዝህልዋ ኢኮኖማዊ ምትእስሳር ዝውስኖ ይኸውን፡፡ ውሽጣዊ ዓቕሚ ኤርትራ ብጣዕሚ ንእሽቶ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ብሰንኪ ስእነት ትክክለኛ ፖሊስን ሰላማዊ መንግስትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳደቐቐ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኢኮኖሚ ኤርትራ ንፀጋታት ባሕራ ኣይድግፍን ዓቅሚ ውን የብሉን፡፡ ትሑት ኢኮኖማዊ ዓቕሚ ኤርትራን ኣዝዩ መሰከፊ ሃዋህው ፖለቲካን ሰላምን ኤርትራ ከዓ ወደባታ ተጠለብቲ ከይኮኑ ካብኡ ሓሊፉ ውን ብመዳይ ቱሪዝም ክርከቡ ዝኽእሉ መኽሰባት ከይትረክብ ይገብራ፡፡

ናብ ሸነኽ ኢትዮጵያ ክንመፅእ ከለና፤ ዋላ ውን ስእነት ወደብ ካብ ሱሉጥ ኢኮኖማዊ ዕብየት እንተዘይከልከላ፤ ካብ ወደባት ኤርትራ ዝርከብ ረብሓ ግን ብፍላይ ንትግራይን ገለ ክፋላት ሰሜን ኢትዮጵያን ኣገዳሲ እዩ፡፡ ብርግፅ ካብ ገለ ወገናት ኢትዮጵያ ብመስመር ባቡር ንራኸብ ስለዘለና ኣብ ወደባት ኤርትራ ኣይደረኽን ዝብሉ እንተሃለው፤ ወድዓዊ ሓቂ ምኽሓድ እዩ ክኸውን፡፡ ንኣብነት ህሉው ሰደድ ትግራይ ኣመልኪትና ንዛራብ እንተሃሊና ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ወደብ ጁቡቲ ወይ ውን ወደብ ፖርት ሱዳን ዝህሉ ርሕቐትን ብተነፃፃሪ ናብ ወደብ ምፅዋዕ ዘሎ ርሕቐትን ኣብ ሰነ-ሓሳብ መኽሰብ ኮና ምስላሕ እኹል እዩ፡፡

ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተዛመድቲ ልምዓታትን

ሰፊሕ ልምዓት ክተምፅእ ገዚፍ ግልበት ኤሌክትሪክ ይሓትት፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ማለት ካብ ንፋስ፣ ፀሓይን ጂኦተርማልን ብፍላይ ድማ ካብ ሰፊሕ ተፈጥሮ ወሓዝቲ ሩባታት ዝለዓለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዋ፡፡ ብርግፅ ኤርትራ ውን ዋላ ብሱን መልክዑ ይኹን እዞም ፀጋታት ብዑቑር ሓፍቲ ደረጃ ኣለውዋ እዮም፡፡

ኣብ ህልው ኩነታት ግን ኢትዮጵያ ብተግባር ነዞም ፀጋታት ኣብ ምምዕባልን ኣብ ምጥቃምን ትርከብ፡፡ ብግልባጡ ከዓ ኤርትራ ኣይኮነን ሓደስቲ ናይ መሰረተ ልምዓት መዋቕራት ክትዝርግሕ፤ ነቶም ዝነበሩ ውን ብኣግባቡ ክጥቀመሎም ናብ ዘይትኽእል ደረጃ በፂሓ ኣላ፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳርጋ የለን፡፡ ከተማታት ኤርትራ ዳርጋ ፀሊሚተን ኣለዋ፡፡ ዘፍሪ ክፋል ኢኮኖሚ ውን ብሕፅረት ሓይሊ ጠጠው ናብ ምባል በፂሑ ኣሎ፡፡ ንቐፃሊ ልምዓት ክትሓስብ እንተኾይና ውን ከምቲ ሕጂ ዘላቶ ተነፂላ ምስዝኸውን ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዝኸውን፡፡ ብዝበለፀ ድማ ካብ ዜሮ ምጅማርን ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሓፍቲ ምጥቃምን ፍልልዩ ኣዝዩ ዓብዩ ስለዝኾነ፤ ምስ ኢትዮጵያ ትፈጥሮ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ምትእስሳር ዕዙዝ ኣበርክቶ ኣለዎ፡፡ ስለዚ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕደል ክጥቀመሉ ይግባእ፡፡

ብመዳይ መስኖ ሕርሻ/ተከዘ

ኢትዮጵያዊ ሰፊሕ ናይ መስኖ ሕርሻ ከፍሪ ዘኽእልን ሃፍቲ ማይን ተሓራሳይ መሬት ኣለዋ፡፡ ካብዚ ዓሚቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምዕራን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ ሩባ ተከዘን ሰፋሕቲ ጎላጉልን ተጠቀስቲ እዮም፡፡ ኤርትራ ውን ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ ዘሎ ሰፊሕ ተሓራሳይ መሬት ተጠቒማ ካብ መስኖ ሕርሻ ክትርባሕ ትኽእል፡፡ ኣብዚ ከይዲ ጉዳይ ረባ ተከዘ ከም ሓበራዊ ረብሓ ክልዓል ይኽእል፡፡ ተከዘ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራን ናይ ሓባር መዋሰኒ ሩባ ኮይኑ የገልግል፡፡ እዚ ዝተፀቐሰ ክልቲኡ ከባቢ ሩባ ተከዘ ንናይ ሓባር ረብሓ ብምውዓል ንክልቲኡ ህዝቢ ክጠቅም ይኽእል፡፡ ዛጊት ክልቲአን ሃገራት ካብ ሩባ ተከዘ ክርብሕኦ ዝኽእላ ኣይረኸባን፡፡ ሰለዚ እዚ ሓደ መዕለቢ ሓበራዊ ረብሓን መፀዋዕታ ሰላምን ክኸውን ይኽእል፡፡

ሓፈሻዊ ምትእስሳር ቁጠባን ዕዳጋን

ኤርትራ ቅድሚ ኩናት 2000 ዳርጋ ካብ 60-70 ሚኢታዊ ኢኮኖማዊ ምትእስሳራ ምስ ኢትዮጵያ ነይሩ፡፡ ብሰንኪ እቲ ብፋሕጣራይነት ህግደፍ ዝተጀመረ ኩናት እዚ ምትእስሳር ተበቲኹ፡፡ ኤርትራ ነዚ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ዕዳጋን ብካል ምትእስሳርን ዕዳጋን ክትክኦ ኣይከኣለትን፡፡ እንሆ ድማ ሰዓቤኑ ሕድሕድ ስድራ ኤርትራ የንካሕኩሕ ይርከብ፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ክሳዕ ብጥምየት ዓፀቦን ዝግለፅ እዩ፡፡ ህዝቢ መሰረታዊ ድልየታቱ ከማልእ ውን ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ በፂሑ ይርከብ፡፡

ሰዓቤን ኢቲ ምቁራፅ ርክብን ምትእስሳርን ግን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሴሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ውን እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት ስሉጥ ልምዓት ተካይድ ኣላ፡፡ ኣብ ትግራይ ውን ኣካል ናይዚ ስሉጥ ልምዓት ይረኣይ ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብ ገለ ክፋላት ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ኢኮኖማዊ ምንቅስቓስ ሕጂ ውን ዝሑል እዩ፡፡ ኣብዞም ከባብታት ልምዓት የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ ግን ናብ ሓደ እንፈት ጥራሕ ዝጥምት ተሓፂሩ ዝተረፈ እዩ፡፡

ምስ ኤርትራ ምዑሩይ ኢኮኖማዊ ምትእስሳር ምስዝፍጠር እዚ ከባቢ ብቡዙሕ መልክዑ ይጥቀም፡፡ ሓደ ናይቲ ገዚፍ ምትእስሳር መተሓላለፊ መንገዲ ሰለዝኸውን ሰፊሕ ዕዳጋን ዕድል ስራሕን ይፈጥር፡፡ ብካልእ ገፁ ድማ እቲ ሎሚ ብወተሃደራት ኪልቲአን ሃገራት ተሓፂሩ ተሪፉ ዘሎ ተፈጥረኣዊ ምትእስሳር ከባብታት ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ይምለስ፡፡

ዓንቀፍቲ እዚ መንገዲ ሰላም

1. ህግደፍን ህግደፋዊ ኣተሓሳስባን፡ ህግደፍ ዝቐረፆ ኣብ ፅልእን ፈጠራ መንነትን ዝተመስረተ ህንፀት ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ንዘላቒ ሰላም ክልቲኡ ህዝቢ ሓደገኛ እዩ፡፡ እዚ ሓውሲ ፋሽሽታዊ ዝኾነ ኣብ ጃህርን ናይ ፈጠራ ታሪኽ ዝተመስረተ ኣረኣእያ፤ ህዝብታት ኤርትራ ምስ ጎረባብቶም ከምኡ ውን ብባህልን ታሪኽን ዝተኣሰሰሮም ህዝብታት ዘናኽስን ናብ ዘለኣለማዊ ቅርሕንቲ ዘእቱ እዩ፡፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዋላ ውን ብ ታሪኻዊ፣ ባህላውን መበቆላውን ምትእስሳር ሓደ ዝኾኑ ህዝብታት ትግርኛ ተዛረብቲ፣ ዓፋር፣ ሳሆን ኩናማን ዝካፈላ እንተኾነ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ትግርኛ ተዛረብቲ ዘሎ ኣብ መዳይ መንነትን ታሪኽን ዝግበር ውጥጥ ንሰለም ዝዕድም ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እዚ ካብ ነባራዊ ሓቂ ሪሒቁ ናይ ካልኦት ህዝብታት መንነትን ታሪኽን እዳፅላእልአ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክፈጥር ዝደሊ ኣተሓሳስባ፤ ብወገን ኤርትራ መአረምታ እንተዘይተገይሩሉ ነቲ መንገዲ ሰላም ምዕንቃፉ ኣይተርፍን፡፡

2. ደምበ ትምክሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሙሉእ ነፃነት ኤርትራ ዘይቅበል ወይ ውን ገለ ክፋል ኤርትራ ዝብህግ ሓይሊ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ሰለም ኣዝዩ ዓንቃፊ እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዋላ ውን ዝተስዓረን ትርጉም ዘይብሉን ሓይሊ እንተኾነ፤ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይምትእምማን ክሰፍን፣ ንሳላም ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ካብ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ፅልኣት ተበጊሱ ዘተዓናቕፍን ህዝባዊ ምርድዳእ ከይፍጠር ኣብ ዝንቀሳቐስን ሐይሊ እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ ኣብ ህዝባዊ ረብሓ ዘለዎም ረቓሒታት ዘይኮነ ንምትእጉጋል መንገዲ ሰላም ምልክታዊ ረብሓ ዘለዎም ከም ጉዳያት ባድመን ዓሰብን እንዳልዓለ፤ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝኸሰሮ ህዝባዊ ድጋፍ ከከሓሕስ ዝደሊ እዩ፡፡

3. እስላማዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ዝተዓጠቑን ዘይተዓጠቑን እስላማውያን ሓይልታት ኣለው፡፡ ገለ ካብዚኣቶም ጥሩፋት እንትኾኑ ገሊኦም ከዓ ልዝባት እዮም፡፡ ብዝኾነ መበቆል እዞም ሰልፍታት ናብቲ 1960ታት ዝነበረ ካብ ፅዕንቶ እስላማውን ዓረባውን ኣተሓሳስባ ቡዙሕ ዝፍለ ስለዘይኮነ፤ ኣንፃር ምስ ኢትዮጵያ ክህሉ ዝኽእል ሰላማዊ ርክብ ጠጠው ክብል ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ብፍላይ ናይ ዞባና ጂኦፖለቲካዊ ሽርሕታት ክሕወሶ ከሎ ናብ ሐደገኛ ሓይሊ ውን ክቕየር ዝኽእል እዩ፡፡

ንዕውትነት ካርታ መንገዲ ሰላም ክስርሓሎም ዝግባእ ውራያት

1. ታሪኽን ኣፀሓሕፈ ታሪኽን፡ ታሪኽ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ኣዝዩ ዝተሓለለኸ እዩ፡፡ እዞም ክልተ ህዝብታት ክሳዕ ምሰረታ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ናይ ሓባር ታሪኽ ኣለዎም፡፡ ነዚ ሓቂ ፀሓፍትን ፖለቲከኛታትን ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለየ ትርጉምን ትሕዝቶን ክህብዎ ይርአ እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ከዓ ሓደ ዘየረዳድእ ነጥቢ እዩ፡፡ ብፍላይ ህግደፍ ዝፀሓፎ ታሪኽ ኣብ ገለ ክፋል ህዝቢ ከበሳ ኤርትራን ከም ታሪኽ ዝተወሰደን ካብ ሓቃዊ ታሪኽ ሓሊፉ ዝፀንሓ ፅልእን ጎንፅን ከምዘሎ ዘሎ ዘምስል ታሪኻዊ ኣፀሓሕፋ ክእረም ይግባእ፡፡ ከምኡ ውን ብወገን ኢትዮጵያ ዝፀሓፉ ነቲ ሓበራዊ ታሪኽ ናይ በይንኻ ዘምስሉ ኣገባባት ክፈተሸን ክእረሙን ይግባእ፡፡

2. እቲ ኩናት 2000 ሰዓቤናቱን ምሕካም የድሊ፡፡ እቲ ክካየድ ዘይነበሮ ኩናት ዝፈጠሮ ኣብ ገለ ክፋል ክልቲኡ ህዝቢ ዝተፈጠረ ቁስልን ስምብራቱን ብሓልዮትን ምትሕስሳብን እንደፈወስካ፤ እቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተገበረ ሓበራዊ መስዋእትን ብፃይነት እንዳግላህካ ሃናፃይ ብዝኾነ ኣገባብ ምስጥጣም ምፍጣር፡፡

3. ኣብ ሓርፋፍ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ተሸጊጦም ክነብሩ ዝደልዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ምትእምማን ምርድዳእን ከይፍጠር ስለዝገብሩ በቢግዚኡ ምፍሻልን ካብ ህዝቢ ምንፃልን፡፡

4. ብ ወገን ኤርትራ ኣብ ደምበ ተቓወምቲ ዘሎ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ራኢ ዘይምህላውን ዘይምቅዳውን ኣዝዩ ዘሻቕል ስለዝኾነ፤ ናብ ናይ ሓባር መለቲካዊ መስርሕ ዝመፅሉ ከይዲ ኣብ ሓፂር ግዜ ምስላጥ፡፡ ምክንያቱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃዋህው ኣብ ዘይተሓሰበ ግዜ ዘይተሓሰበ ለውጢ ከምፅእ ስለዝኽእል፡፡ ኣብዚ ኤርትራውያን ሓይልታት ዴሞክራስያውያን መማእኸልቲ ሓሳባት ብቁልጥፍ ኣምፂኦም ክረዳድኡ እንተዘይኪሎም፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከይተሓሰበ ድንገት ምስዝወድቕ ኤርትራ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ክትኣቱ ትኽእል እያ፡፡

5. ኣተኣላልያ እቲ ኣብ ጉዳይ ዶብ ዘሎ ኩነታት ክሳዕ ምሰረታ ህዝባውን ዴሞክራስያውን መንግስቲ ኤርትራ ከምዘለዎ እንተዝፀንሕ፡፡ ድሕሪ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ዘለቓ ሰላምን ረብሓታትን ክልቲኡ ህዝቢ መሰረት ጌርካ ብልዝብ ዝፍታሕ እንተዝኸውን፡፡

6. ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምእንተ ምምላስ ንቡር ጉርብትናን ታሪኻዊ ምትእስሳርን ዝካየድ ዘሎ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝፀንሓ ንብረቶም ናይ ምምላስን ተግባራት ፍትሓዊ ዳይነትን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ኤርትራ ዝተወረሰን ዝጠፍአን ንብረት ኢትዮጵያን ድሕሪ ምሰረታ ሓዱሽ መንግስቲ ዝምለሰሉን ካሕሳ ዝርከበሉን ኣገባብ ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ይግባእ፡፡

************

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories